We know how many Eritrean children reach Europe on their own, but not how many die trying – UN expert

NEW YORK (28 October 2014) – The United Nations Special Rapporteur on Eritrea, Sheila B. Keetharuth, expressed alarm about continuing human rights violations in the country resulting in mass departures. She warned the UN General Assembly about the high number of children fleeing from Eritrea without their parents.

“By mid-October, more than 4,000 Eritrean minors had arrived in Italy since the beginning of the year, including more than 3,200 children travelling without their parents,” Ms. Keetharuth said, quoting recent data collected by the UN Refugee Agency.

“The numbers provided only reflect those who make it to Europe. We do not know how many children perish along the flight,” the human rights expert stressed. “In all circumstances, unaccompanied minors require special protection.”

The children risk their lives, travelling on their own or with friends, to escape from looming military training and conscription amounting to forced labour, to join family members or in the hope of finding their rights protected across borders. They are very vulnerable and run the risk of exposure to abuse and violence, including falling in the hands of traffickers and smugglers who ask for ransoms from their families.

Eritreans are escaping systematic and widespread human rights violations, such as indefinite forced conscription and violations in the context of the national service, arbitrary arrests and detention, incommunicado detention, inhumane prison conditions, extrajudicial killings, disappearances and torture.

“In recent months, we have seen a considerable increase in Eritrean asylum seekers and refugees crossing into neighbouring countries with almost 4,000 fleeing on a monthly basis,” she said. Significantly higher numbers of Eritreans are arriving in Europe. Between January and September 2014, 32,537 Eritreans arrived in Italy by boat. With Syrians, Eritreans constitute the largest group of arrivals.

The Special Rapporteur noted that the situation has deteriorated in the context of the attempted coup in January 2013, dubbed as the ‘Forto incident’. An unknown number of people, though the numbers quoted are as high as 800, including public figures, were reportedly arrested and detained, with no information as to their whereabouts, nor have they appeared before any court of law.

“The violations described are committed with impunity. No perpetrators have been brought to justice,” Ms. Keetharuth stated. “This is why I welcome the establishment of a Commission of Inquiry by the Human Rights Council to investigate all alleged violations of human rights in Eritrea, as outlined in my reports.”

The expert called on the Eritrean Government, the Eritrean people, in and outside of the country, as well as the international community to cooperate with both the Commission’s and her mandate. “I remain fully committed to continue delivering on the mandate entrusted to me by the Human Rights Council in a constructive, transparent, independent and impartial manner and look forward to starting work as a member of the Commission of Inquiry,” she said.

The Special Rapporteur welcomed Eritrea’s accession to the UN Convention against Torture and other Cruel, Inhuman or Degrading Treatment or Punishment in September, which was long overdue. “I hope this is an indication of Eritrea’s willingness to comply with the prohibition of torture under international law,” she said.

Sheila B. Keetharuth was appointed as the Special Rapporteur on the human rights situation in Eritrea during the 21st Session of the UN Human Rights Council in September 2012. She took her functions on 1 November 2012. As Special Rapporteur, she is independent from any government or organization and serves in her individual capacity. A lawyer from Mauritius, she has extensive experience in monitoring and documenting human rights violations, advocacy, training and litigation in human rights in Africa. Learn more, log on to: http://www.ohchr.org/EN/HRBodies/SP/CountriesMandates/ER/Pages/SREritrea.aspx

Check the Special Rapporteur’s latest report to the UN Human Rights Council (A/HRC/26/L.6):http://ap.ohchr.org/documents/dpage_e.aspx?m=201

UN Human Rights, country page – Eritrea:http://www.ohchr.org/EN/Countries/AfricaRegion/Pages/ERIndex.aspx

For more information and media requests please contact:
In New York:
André-Michel Essoungou, (+1 917 367 9995 / Cell: +1 917 940 0685 / [email protected])
Nenad Vasic (+1 212 963 5998 / Cell: +1 917 941 7558 / [email protected])
In Geneva:
Birthe Ankenbrand (+41 22 928 9465 / [email protected]) or write to [email protected]

For media inquiries related to other UN independent experts:
Xabier Celaya, UN Human Rights – Media Unit (+ 41 22 917 9383 / [email protected])

Check the Universal Human Rights Index: http://uhri.ohchr.org/en


ብእስትራተጂ ዓዲ ዝቐረበ ጽሑፍ ኣብ ጉባኤ ዋሽንግቶን ዲሲን ከባቢኣን

ብእስትራተጂ ዓዲ ዝቐረበ ጽሑፍ
ኣብ ጉባኤ ዋሽንግቶን ዲሲን ከባቢኣን
24 ጥቅምቲ 2014

ኣቐድም ኣቢለ ንኹሉኹም ደላይ ፍትሒ፡ እንኳዕ ብሰላም ናኣብዚ ኣገዳስን፡ ህጹጽን፡ ዝኾነ ሃገራዊ ጻዋዒት ንኽንእከብ ብሰላም ኣኻኸበና። ኩነታት ህዝብናን፡ ሃገርና ወዲቓቶ ዘላ ቅልውላው፡ ንክንፈልጥ፡ መፍትሒ ንምድላይን ዝግበር ጻዋዒት፡ ዝምስገንን ታሪኻውን እዩ።

ኣስዕብ ኣቢለ፡ ነዚ ጉባኤ ንኽግበር ዝሓለኑን፡ ዝሓሰቡን፡ ኣድላይነቱ ህጹጽ ምዃኑ ፈሊጦምን፡ ንዝወሰኑዎ፡ ዉሳኔ፡ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ዘይሕለል ድኻም ደኺሞምን፡ ኣብ መፈጸምታ ዘብጽሑን፡ ሽማግለታት፡ ክብ ዝበለ ምስጋና ብስም ማሕበርናን፡ ኣባላት ስትራተጂ ዓዲን፡ ቀጺለውን ብስም፡ እቲ ኣፉ ተለጉሙ ዘሎ ዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ደጋጊመ ከመስግን ይፈቱ።

ኣብ መግለጺ ብተባዕታይ ቃል ብምጽሓፈይ ኣሕዋተይ ደቂ ኣንስትዮ ረሲዔ ኣይኮንኩን።ይቕረታ ከም ድፍረት ከይውሰድ ሓደራ።
ባይቶ ቅድሚ ምጅማሮም፡ ቀዳሞት ወለድና፡ ቂምታ ዘልዎ ሰብ ከይህሉ፡ ኣቐዲሞም ይሓቱም! ንዝተቓያየሙ ዓሪቖም፡ እዮም ጉባኤኦም ዝጅምሩ ዝነበሩ።

እምብኣር፡ እዘን ክልተ መጻሕፍቲ “ታሪኽ ወሎዶ ህዝቢ ኤርትራ” ብሃለቅ ብርሃነ ዝተጻሕፈት፡ ከም ኡውን “ሕግታት መርየት ዓደቦ” ምስ እንውከስ፡ ክንደይ ኣሻሓት ዓመት ዝገበረ ህዝቢ፡ ታሪኽን፡ ዛንታን፡ ሕግታትን፡ ባህልን ልምድን፡ ቛንቛታትን ዘለዎ ህዝቢ፡ ሕጂ ዳኣ እንታይ ረኸቦ? ጠምበር ኢሉ ሽግሩ ክፈትሕ ዘይከል????????ኣብ ጸገም ኣትዩ ዝርከብ ዘሎ ደቁ መንጠቢ ጨኒቕዎም ፈቐዳኡ ዝጠፉን ዝቕበሩን ዘለዉ????

ኤርትራውያን መን ኢና??፡ ክንደይ ዘብን እዩ ትውልድና? መበቆልናን ዛንታናን፡ ታሪኽናን፡ ወግዕናን ያትናን ንፈልጥ ዲና? መንነትና ብግቡእ ክሳብ ዘይፈልጥና፡ ድማ ወሪድና ዘሎ ጸገም ጸነተ፡ እምበርዶ! ከም ህዝቢ ክነብር ኢና? ዘብል እዋን በጺሕና ኣሎና። ነዚ ከቢድ ሕቶ ክንምልሽ ናይ ግድን እዩ።ህጹጽ ምዃኑ ንኹሉ ክበርህ ኣለዎ።

“መንገዲ ምስ ወዲ ዓዲ” ቃል ኣቦው እዩ።
ዓድና መሰረትናን፡ መበቆልናን፡ መንነትና፡ መርየትናን ዝገልጽ እዩ። ኣብ ዓዲ ህዝቢ፡ ባህሊ፡ ታሪኽ ህዝቢ፡ መርየት፡ ባይቶ፡ኣምሓደርቲ ሽማግለ፡ ለባማት፡ ትምህርትን፡ ስልጠናን፡ ዛንታን ያታን፡ ምክብባርን፡ ፍቕሪን፡ እምነትን፡ ምትእምማንን፡ ጽንዓትን፡ ጅግንነትን፡ ምቕልሉነትን፡ ተወፋይነትን፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ይርከብ።

ወዲ ዓዲ፡ እንታይ ይገብር? ሰብ የኽብር። ኣይዳፈርን መሰል ሰብ ይሕሉ። ዝመጾ ይፈልጥ፡ ስነ ስርዓት ንዘጉደለ፡ ኣይወረጃን ወይ ጓሳ ኢሉ ይጽዋዕ። መነባብራኡ ድማ ኣብ ማሕረስን ኣብ መጓሰን እዩ። ከመኡ ድማ ጋሻ ይቕበል፡ መንገዲ ይመርሕ፡ መን ጓና መን ዘመድ ይፈልጥ፡ ኣከባቢኡ፡ መዳውብቱ ፡ መዋዳድርቱ ዝኾኑ ዓድታት ይፈልጥ፡ ኣብ ዓዲ ዝርከብ ቛቑራን ሽንጭሮን፡ ብዓትን ገደልን ይፈልጥ፡ መህደምን መሕብእን ናይ ዓዲ ይፈልጦ። ኣብ እንታይ እዋን ይጥቀመሎ ም ለሊጡ ድማ ይቕረብ …ወዘተ።
“ዓድኻ ፍርሕን ትኽልክለልካ፡ ሞት ነይትኽልክለልካ” ከም ዝባሃል ሰብ ኣብ ዓዱ ክፈርህ የብሉን።
ንሎሚ ካብ ሰለስተ ሕጊ ዓደቦ ንመምሃሪ ክጠቅስ፡ ፍቐዱለይ? ናይ ዓፈር፡ ናይ ኹናማ፡ ናይ ባዛን፡ ናይ መንዓምር በጃን…ወዘተ ከምዘሎና ንኹሉ ብሩህ እዩ።

ኣብ ዓዲ ሕጊ ኣሎ፡ መረየት ኣሎ፡ ባይቶ ኣሎ፡ ህዝቢ ኣሎ፡ ዜግነት ኣሎ። ኣብ ዓዱ ብሕጊ ኣይነባበር። “ሰብ ኣብ ዓዱ፡ እኽልን ኣብ ዓውዱ” ይባሃ።

ሓደ ህዝቢ ብሰላም ክነብር ሕጊ ክህልዎ ኣለዎ።እዚ ካብኮነ፡ እስከ፡ ኣብ ሕጊ ኣድግና ተግልባ፡ ንሕጊ ከመይ ይገልጾ። “ ሕጊ ማለት ንንጉስ፡ ንመኳንንቲ፡ ንሕዝቢ ምስ እግዚኣብሄር ዘሳማምዕ፡ ንሕዝቢ መሔለዊ፡ ብሰላም መንበሪ ዓቢ ረዲኤት ዘለዎ ነገር ማለት እዩ” ይብለና። ሕጊ ኣድግና ተገልባ ብዘበናዊ ኣብ ጽሑፍ ንኽሰፍር ሓደ ዓመትን፡ ሽዱሽተ ወርሕን ወሰደ። ኣብ “ምዔም ምሓዝ” ኣብ ዝተባህለ ቦታ ተኣወጀ።
“ለባም ተወከስ፡ ባላን ተሞርከስ” ከም ዝባሃል፡ ኣብ ደብተር ሕጊ ስርዓት ዓደቦ፡ ኣብ መቕድም ዝሰፈረ ንመልከት!

“ህዝቢ ኤርትራ ካብ መርየቱ በቑሉ ናብ መርየቱ ዝዓልብ ንባህልንታቱ ዘንጸባርቕን፡ ንኣግባብ መነባብራኡ ዝሰርዕን፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ሃገራዊ ሓድጊን ስነ መስርዕን ኮይኑ ካብ እዋን ናብ እዋን ዝተቐርጸ ሕግን ስርዓትን ናይ መረት ዓደቦ ኣለዎ። እዚ ሕጊዚ ካብ 1480 ዓም ኣትሒዙ ኣብ ስነ ጽሑፍ ሰፊሩ ንሕዝብና ኣብ ደረጃ ስልጡን ህዝቢ ዓለም ኣድይቡ ሚዛን ናይ ታሪኻዊ ምዕባለን ቀይዲ ናይ ህዝቢዊ ትካላትን ኮይኑ ክሳብ ሎሚ ኣገልግለቱ ኣብ ገጠራት ኤርትራ ከበርክት ይርኤ።

ሕጊ እንዳባ ሽሕኳ ኣገልግሎቱ ካብ ብዙሕ ዘበናት እናተዋራረሰ እንተመጸ ባዕዳውያን ገዛእቲን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራን በብ ኢብሪ እናተላዕሉ ጸቕጥን በብዓይነቱ ዕንቅፋትን ፈጢሮም ስለ ዘቛናጽብዎ፡ ከምቲ ግቡእ ክምዕብል ኣይከኣለን። ሰንሰለታውያን ገዛእቲ ንሕጊ እንዳባ ብምስትንዓቕ “ካብ ባህላዊ ትሕዝቶን ተራ ስርዓት ናይ ባህርያዊ ምንቅስቓስን ሓሊፉ ካልእ ክብሪ ክህልዎ ኣይክእልን” እናበሉ ስል ዝጓዕጸጽዎን፡ ተሓቲሙ ንዝወጸ ፡ብዙሕ ብራናታት፡ ድጓታትን፡ መጸሓፍትን ኣራርዮም ስለ ዘሕረርዎን፡ ንሕጊ እንዳባ ከነስተማቕሮን ብቐዳማይ ደረጃ፡ ሰሪዕና ክንኩስኩሶን ዕድል ኣይረኸብናን። ባዕዳውያን ጸላእቲ ዝፈጠርዎ ጉድኣት ግን በዚ ኣየብቕዔን። እቲ ዝገደደ” ሕግን ስርዓትን ናይ መርየት ዓደቦ ኣድሓርሓርን ንረብሓ መሳፍንቲ ዝቖመን እዩ” እናበሉ ናይ ስነ ኣእምሮ ደገልን፡ ናይ ስነ መንነት ፍርሕን ራዕድን ኣብ ሓንጎል ብዙሓት ሃገራውያን ስል ዘሰረጹ፡ ኣብ ክንዲ ብሕጊ እንዳባ ምኹራዕን ምሕባንን፡ ንዑኡ እናቆናጸቡን እና ኣነኣኣሱን መተካእታኡ ካልእ ምስ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘየሳኒ ናይ ወጻእተኛታት ሕጊ ወይ ክለሰሓሳብ ክስዕቡ ይረኣዩ። እዚ ድማ ኣዕናዊ ምንቅልዋጥ እዩ”።

ዝብል ተመዝጊቡ ንረክብ። ንኣዳለውቲ ደበተር ሕጊ ምስጋና ይብጻሓዮም።

ኣብ ሕጊ ኣድከመ ምልጋእ፡
“ንኹሉ ሕግታት ዓለም ዘጽንዕ መሰረት ድማ ሃይማኖትን ስራሕ ምፍታውን፡ ንንጉስ ምክባርን እዩ” ይብለና። ሕጊ ኣብ ዝሕገገሉ ግዜ ብእየጋንታ ዝተወልዱ፡ ዓበይትን፡ ለባማትን፡ ተመሪጾም ኣብ ማይ ጊፍ ዝተባህለ ቦታ (ወረዳ ተኸላ) ምስ ቃንዳ መለኸቶም ተኣኪቦም ሰሙን ክልተ ቅነ፡ ንቑጽ እንገራ እናተመገቡ፡ ማይ ሩባ እና ሰተዩ፡ ኣብ ጽላል ሞሞና ኮይኖም እግዚኣብሄር ግለጸልና ኢሎም ሓገግዎ” ይብለና።

ኣድከመ ምልጋእ፡ ኣብ ጉባኤ ምስ ተኣከቡ፡ “ብቃንዳ መለኸት በርበረ ዝመስል ዘንጊ ሒዞም እናዞሩ፡ ስምዑ ዓደቦና እዚ ሓጊግና፡ እዚን ደንጊግና ኣሎና፡ ኣብ ልብኹም የሕድሮ እናበሉ ብምሳር ዝተጸርበ መልሓሶም ገይሮም የስምዑን የውርሱን ነበሩ፡ ህዝቢ ብወገኑ ይስመርዎ እናበሉ ብደስታ ተቐቢሎም ይሰናበቱ” ነበሩ።

“ንጉስ ኣብ ሰቐላኦም፡ ኣቦታትና ኣብ መሞናኦም ዝሓገጉልና፡ ሓጸረ ኢልካ ኣይትልቅመሉ፡ ነውሔ ኢልካ ኣይተሕጽረሉ ኢሎም ይምጉቱ ነበሩ”።
ንዳሕረዎት ትውልዲ ምሕጽንታን ወይ ለበዋን!! ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

“እግዚኣብሄር ሕግና ክሕተም ካብ ፈቐደልና፡ ብድሕረና ዝውለዱ ደቅና ክቕጽልዎ ምሉእ ተስፋ ኣለና። ካብ ሓድሽ ሕጊ ክትፈጥር ነቲ ዝነበረ እናጸረብካ ከተስልጥ ይቐልል። ቅድም ኦሪት ነበረ፡ ወንጌል ምስ መጸ ፍጹም ብርሃን ኮነ።ደቅና ሕግና ኣጽኒዕም ከሔድስዎን ከጽርዩዎን ኩልና ንምርቖም። ይብሉና።

እሞ! ንሕና ደቖም ተኸቲልናዮምዶ? ዝብል ሕቶ የቕርብ።
ሕጊ ናይ ሎጎ ጭዋ፡ ኣብ ማይላሓም ሓገግዎ። ኣቦታትና ክልተ ደብተር ሕጊ ገደፉልና። ወድሰብ ተወሳላትን፡ ተታላልን፡ ምናልባሽ፡ ብጉቦ እንተ ተወሳለት፡ ሓንቲ ደብተር ሓላዊት ትኸውን። ዓደቦ ዝመረጾም፡ እሙናት ዝኾኑ ደብተር ዓቀብቲ ብባይቶ ይምረጹ፡ ደብተር ድማ፡ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ እናዞረ ይቕመጥ ነበረ።

ሕጊ ዓደቦ ሓደ ካብ ሓደ እንተዘይበሊጹ፡ ማዕረ መሰላት ዜጋን መሰል ዘራእትን፡ መሰል እንስሳታት ብጠቕላላ ዝሕሉ ሕጊ እዩ ነይሩ። መሰል እምነት ብፍቃድነት ዜጋ እዩ ዝውሰን።ዜጋ ኣብ ዝደለዮ ሃይማኖት ናይ ምእማን መሰል ነበሮ።
ስትራተጂ ዓዲ!!!!

ስትራተጂ ዓዲ እንታይ ማለት ኮን ይኸውን? ክንምልስ ኣድላዪ ኮይኑ ንረኽቦ። ነዚ ክንምልሽ! ዓዲ ኸ! እንታይ ማለት እዩ?
እምብኣር፡ ዓዲ እንታይ ምዃኑ ካብ ፈለጥና! ንዓዲ መን ፈጠሮ ወይስ መን ወለዶ? ጥሻ ወይ መርየት ዘለዎም እኩባት ስድራ ቤታት እዮም ዓዲ ዘቑሙ። ኣብ ባይቶ ተኣኪቦም ድማ፡ ሕጂስ ዓዲ ኣኺልና ኢናሞ! ዓዲ ዘድሊ ኣኸለ መሰለ’ን ኣለና ኢሎም ዓዲ እገል ኢና፡ ኢሎም ይስየሙ። ዓዲ እገለ፡ ዝመርሖም ጭቃ፡ ዘካይድዎም ዓበይቲ ዓዲ፡ ሽማግለ ኣመሓደርቲ፡ሽማግለ ገላፎ መርየት፡ ዓቛሮ መርየት፡ ዝእከብሉ ባይቶ፡ ዝጽልዩሉ ቤት ጾሎት፡ ቤት ጸሎት ዘማሓድሩ፡ ሰብ ምስ ወፈረ ዓዲ ዝሕሉ በብታራ ኳደረ ይገብሩ ነበሩ።

ደቂ ዓዲ ኣግባብን ወግዕን ቀዳሞት ኩሉ ዘማልእ እዩ። ኣብ ግዜ ሓጎሶም ኮነ፡ ኣብ ግዜ ሓዘኖም፡ ኣብ እዋን ሽግርን ኮነ ኣብ እዋን ራህዋ፡ ኣብ ግዜ ዓመጽ ኮነ ኣብ ግዜ ወራር ጸላኢ ኣብ ዘጓንፎም፡ ደወል ይድወል እሞ! ዓዲ ይእከብ፡ ከም ህጽጹነቱ፡ በቲ ዘቖሙዎ ምስጢራዊ ምልክታት፡ ተጸዋዊዕም ኣብ ባይቶ ይመኻኸሩ ነበረ።

ኣብ ባይቶ ተኣኪቦም መን መጺኡ! መንከ ተረፈ! መትረፊኡኸ! እንታይ መትረፊኡ የረጋግጹ። መትረፊኡ ምስተፈልጠ ኣብ ጉዳዮም ጉዳይ ይኣትዉ። መኤከቢኦም ኣብ ባይቶ ኣዳቒቖም ይዘራረቡ፡ ይካትዑ፡ ይሰሓሓቡ፡ ኣብ መጨረሻ ግና፡ ንዘምጽኦም ጉዳይ መፍትሒ ወሲኖም ብሓባር ይሰናበቱ። ጸላኢ መጺኡ! እንተ ኾይኑ ንኩናት ይኸቱ። ኩሉ ነገር ዓዲ ኣብ ባይቶ ዓዲ ይፍጸም። ደቂ ዓዲ ሓጎሶምን፡ መከራኦምን፡ ብሓደ ምዃኑ ኣሚኖም ቃል ዓዲ፡ ሕጊ ዓዲ ምዃኑ፡ ኩሉተሰማሚዑ ይነብር። ወዲ ዓዲ ዜጋ እዩ። ዜግነት ኣብ ዓዲ ይበቁል። ዓድታት ተኪበን፡ ወረዳ ይኾና።ወረዳታት ተኣኪበን ኣውራጃ ይኾና። ኣውራጃታት ተደማሚረን ድማ ሃገር የቑማ። ወዲ ሃገር ወይስ ወዲ ዓዲ ትርጉሙ ኩሉ ሓደ እዩ።

ካብዚ ተበጊስና ኢና፡ ስትራተጂ ዓዲ እንብል ዘለና። መንነትና ፈሊጥና፡ ክንምህርን፡ ክንቃለስን፡ ዝወሰና። መሰረት ዘይብሉ ፈራሲን፡ ተሰባሪን ስለ ዝኾነ፡ መንነትናን፡ ታሪኽናን፡ ባህልናን እንተድኣ ፈሊጥና ተኣማሚናን፡ ተፋቒርናን ንክንሰርሕ የኽእለና። መሰረት ዘለዎ ቤት ድልዱል እዩ። ዓንዲ ዘለዎ ቤት ኣይፈርስ እዩ። ቀዳሞት ወለዲ ከመይ ገይሮም ሽግራቶም ይፈትሑ ከም ዝነበሩን፡ ይነባበሩን ከምዝነበሩን፡ የፍልጥናሞ፡ ብትዕግስትን፡ ብትብዓትን ንክንምጉት፡ የብቅዓና።

ነዚ ገጢሙና ዘለሎ፡ ሃገራዊ ጸነተ! ከምዘይናትካ ጉዳይ ኣማዕዲኻ ዝርኤ ኣይኮነን። ኣምዕድዩ ንዝርኢ ዜጋ፡ ናይ ጥዕናዶ! ይኸውን? ኢልካ ዘሕትት እዩ። ሓደ ሓደ ምስላታት ቀዳሞት እስከ ንመልከት!
ተመሊስካ ትርእዮ ገዲፍካዮ ኣይትእቶ፡
ንርስቲ ይዋጋኣላ፡ ኣንስቲ፡
ሓረድዋ ሞተት፡ ነጸይዋ ሞተት፡
ትርጉም ናይ እዚ ምስላታት እንተ! ተረዲእና፡ ሽግር ሃገርና ኣማዕዲኻ ዝርኣዮ እዋን ስለ ዘይኮነ፡ ንሕና ከም ስትራተጂ ዓዲ ሽግር ሃገርና ንኽንፈትሕ ምስ ኩሎም ዜጋታትና፡ ሓቢርና ንኽንሰርሕ ቕሩባት ምዃና፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ ንህዝብና ከነፍልጥ ንፈቱ።

ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና ኣብ ዘዘለዎ ዓዲ፡ መሰረታዊ ዘተን ምትእኽኻብን፡ ጀሚሩ ኣሎሞ! ኣብ ዝላዓለ ደርጃ ንኽበጽሕ፡ ኣብ ዘዘለዎ ዓዲ ዘይሕለል ጻዕሪ ንኽገብር ንኹሎም ዜጋታትና ጻዋዒትና ነቕርብ።

ስትራተጂ ዓዲ፡ ሽግር ሃገርና፡ መፍትሒኡ፡ ኣብ ስድራ ቤት ኤርትራ፡ ኢሉ ይኣምን።ጉዳይ ሃገሩ ዓው ኢሉ ክዘራረብ ኣለዎ ንብል። ፍቓድ ካብ ማንም ክሓትት የብሉን። ብካልእ ሰብ ክፈትሓሉ ድማ ኣይጸበ። ዝርርብ ኣብ ስድራ ቤት እዩ ክጅመር ዘለዎ። ዝከባበር ስድራ ቤት ዝከባበሩ መሓዙትን መማኽርትን ኣለዉዎም። “መንም ምዃንካ ክፈልጠካ ምስ መን ከም እትኸይድ ንገረኒ” ከም ዝባሃል፡ ኣደታትን ወዘራዝርን ንስድራ ቤተን፡ ድግድጊት ተዓጢቐን ክሙግታን፡ ክምክታን ምስ ዝጅምራ፡ ዓወት ህዝቢ ኣብ ባይቶ ዓዲ ይውዳእ። ካብ ዓዲ ቀጺሉ፡ ናብ እንዳታትን፡ ናብ ወረዳታትን፡ ናብ ኣውራጃታትን፡ ይበጽሕሞ! መእስሪኡን መዛዘሚኡን ድማ፡ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ይፍጸም።

ናይ ዉልቅና ጉዳይ ጸገምና ክንፈትሕ፡ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣለኹ ኢልና ንነብስና ቅድም ምስ እንውከስ እዩ መፍቲ ጸገም ዝኸውን መንገዲ ዝርከብ። “ወለድና ፍልስፍና ኣይተማህሮም፡ እንተኾነ ፍላስፋትት እዮም ነይሮም” ነፍሰሄር ካርዲናል ጳውሎስ ጽድዋ ከም ዝበልዎ፡ “ሳእንኻ ማዕረ እግግርኻ” ከም ዝብሉ ወለድና ኣብ እንፈልጦን፡ ብእንኽእሎን ሓቢርና ምስ እንሰርሕ ጸገም ምሓጸረ ንብል። ኣነ መን እየ? ኣበይ ኩነታትከ! ኣለኹ? ናበይ ገጸከ! ጉዕዞይ? ኢልና ምስ እንሓትት ንሰውነትና ነጻ ነውጽእ።

“ስጋ በሊዕካን ዓጽሚ፡ ነገር ወዲእካን ፈጽሚ” ይብሉ ቀዳሞት እሞ! ስትራተጂ ዓዲ ምስ ኩሉ ዜጋ፡ ሲቪካዊ ማሕበርን፡ ዉድባትን፡
ናይ ምስራሕ ዕቕሚ ከምዘለዎ ደጋጊሙ የረጋግጽ።

“ሰብ ኣብ ዓዱ!፡ እኽልከ! ኣብ ዓውዱ!” ኢሎም ወልደና! ኣብ ዓዲ መርየት ኣሎ፡ባይቶ ኣሎ፡ ዜግነት ኣብ ዓዲ ይዋሃብ፡ ወዲ ዓዲ ማለት ዜጋ ማለት እዩ። መሰረት ዓዲ ስለዝኾነ ብዓዲ ንጀምር። ኣብ ስደን ዝነብር ኤርትራዊ ኣብ ዘዘለዎ፡ ዝነብረሉ ዓዱ ስለ ዝኾነ፡ ፍቕሩን ሕውነቱን ከደልድልን፡ ምቅርራቡ ከደልድን፡ “ንኽትድቅስ ጎረቤትካ ይደቅስ” ከም ዝባሃለ፡ ኣብ ከባቢኡን፡ ዙርያኡን፡ ዝርከቡ ዜጋታቱ ለሊጡ ምእንቲ መንነቱን፡ ህዝቡን፡ ክብሩን ዝርርብ ጀሚሩ መፍትሒ ሽግር ህዝቡ ከምዝረክብ ጥርጥር የብልናን።

ዝለዓለ ክብርን ምስጋናን ንኹሉም ስዋኣትና!!!
ነዚ ዕዉት ንክኸውን ዘቕረቡን ዝደኸሙን
ምሁራት ኤርትራውያን ደጊምና ነመስግን።

ስትራተጂ ዓዲ!!!
24 ጥቅምቲ 2014
ቭየና፡ ቭርጂንያ
ሰምየን ኣመሪካ

መልቀስ!!! ድሓን ኩን ዶክተር ተወልደ ወዲ ባካሮ!!!


ድሓን ኩን ዶክተር ተወልደ
ወዲ ባካሮ!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!

ወየ!!!ወየ ኣነ!!!!ወየ!!!!ኣነ!!!
ሓርበኛ ሃገረይ እምበር ስነ!!!!!!
ወየ!!!ኣነ!!!!ወየ ኣነ!!!ሓወይዶ! ሲኢነ!!!
እንታይ ተረኹቡ ሎሚ ቕነ
ኣይነበርኩን ኣብ ዓዲ ዋይ ኣነ ዋይ ኣነ
ምሉቕ ኢሉዶ! ኸደ እዚ ብዓልቅነ
እዚ ጅግና!! ፍትሒ ኸምጽእ ዝወጠነ።

ኣንታ ዶክቶር ብዓል ሎጎ ጭዋ
ብዓል ዓቢ ታሪኽ ወዲ ድባሩዋ
ወዲ እዞም ለባማት ናይ ኩሉም ሎቦዋ
ኣብ ማይ ላሓም ሕጊ ሓገግዋ!!
ንኹሉ ዝኸዊን ንመሰል ሓለዋ
ብደብተር ዝሰርዑ ብዘይ ኣድሎዋ
መሰረት ናይ ቛንቛ ቀደም ተኸልዋ ።

ሕምብርቲ ዝዕዱ ኣብ ዓዲ ኸፈለት
ወዲ እምባ ጣላ ዘይተሸርፈት መርየት
ወዲ ፈለግ መረብ ብዓል ዓቢ መቅነት
ብዙሕ ተጸቢና ክንወጽ ናብ ዓወት
ከይድካ እምበኣር ሕጂ ዓዲ እንኸ! ይዝመት።

መንእሰይ ሃገረይ ጽን ኢልካ እሞ! ስማዕ
ዶክቶር ርኢሪኻዩ ክብለካ ኣገናዕ
ሓላፍነት ሂቡካ እዩ!! ኣደልዶልካ ጽናዕ
ጸላእትኻ ፍለጦም ኣእዳውካ ከይምናዕ።

ወየ!!!ወየ!!! ወየ!!!!!!+
እስከ እዚ ዶክተር ክንዝክሮ
ሙያኡኳ!! በዚሑ ክንደይ ኢለ ክቖጽሮ
ኣብ ርእሲ ሕማሙ ንዓለም ክዘሮ
ከእዊ ተላዕለ ማንም ዘይጀመሮ
ጸገም ህዝቡ ንዓልም ክነግሮ
ደኺመ ከይበለ ጸንቂቑ ጎሮሮ
ሽግር ላምፓዱሳ ኢሉ ክዝርዝሮ
ንኹሉ ከርክበሉ! መገሻ ሓጸሮ
ነፋሪት ክስቀል ሕቑኡ ሰበሮ
ሓወይ! ኣየምለሰን ኣይወጸውን ካብ ጓሮ
ቃንዛ በዚሑካ ክንደይ ኢልካ ክትጸሮ
ኩሉ ወሲድካዮ ልቢ!!! ኾነ ኣእምሮ።

ክምለስ ንዓዲ! ሃገርና ኤርትራ
ክትስልም ከተማታት ኩሉ ብሓበራ
ጎርጉሶም ጀሚርካ ትይድብ ነስመራ
ንኩሉ ትበጽሖ ሕምብርቲ ኮነ መጠራ
ገብረ ከፈለት በርሄት!!! ኣምሰልካይ ኣስመራ።

ቁምነገር ናትካ ክንደይ ኢልካ ክነግር
ሓወይ በቕቧቕ ነርካ የዋህ ወዲ ሃገር
ተሪር ሕልናኻ ዘይዕጸፍ ዘይስበር
ንፍትሒ ትቃለስ ዘይትብል ውዓል ሕደር
ኣብ ርእሲ ሕማምካ! ዘይትቕንዞ!! ዘይትሽገር
ንኹሉ ሰቲርካዮ!! ዝዞርካ ብጸገም ናይ ሃገር
ዘበን ውርውራ ኮይኑ ኣብ ስደትዶ!! ይቕበር።

እዚ ዶክተር ሓውይ!! እዚ ጅግና
ደኺመ ከይበለ ዞረ ናብ ኩላትና
ኣጆኹም እናበለ ደጊሙ ከስምዓና
ንዓይ ዘይበል! እንትርፎ ንህዝብና
ምስጢር ጎሓላሉ ደጊሙ ክነግረና
ይኣክል ዝተገራህናዮ ኢሉ ክምህረና
ህዝበይ ይቅረ ገበረለይ ኢሉ ምስ ትሕትና
ስለ ዝወዓለ ምስቶም መጥፋእትና
ይቕረ ንበሃሃል ሰላም ከውርደልና
ኢሉ ዶ!! ኣይኮነ መንእሰይ ሃገርና?
ተሰካሚ ሕድሪ ፍትሒ ከውርሰልና
ሽግ እውን ተረከብ ሓራ ኣውጽኣና።

እዚ ዶክተር ሓወይ ሰዓቱ ኣብቂዑ
ኣደታት ብኸያ ኩላትክን መራዑ
ኣቦታት እንኮሎ መንእሰይውን ንብዑ
ኣዋልድ ሃገረይ ብኸያሉ እንተሎ ቖላዑ
ቃሉ ድገምዎ ኣጥቢቕኩም ኣጽንዑ
ክዓርግ ንሰማይ ኮባኩብቲ ነብዑ።

ኣንታ!!!ዶክተር ሓወይ ኪድበል ይኣኽለካ
ንሕና እንተንኸውን ብዙሕ መጽናሕናካ
ዘይካኣል ኮይኑ ኣብ መርየት ኣብቂዕካ
ኣብቲ ላዕላይ ሰማይ! ኣምላኽ ይቀበልካ
ቃልና ኣይዕጸፍን!! ደጊመ ክገልጸልካ
ንፍትሒ ዝኾኑ ብዙሓት ኢኻ ዘሪእካ
ኣብ ልቢ ህዝብኻ ሓወልቲ ገዲፍካ።

ንስድራ ቤት ጽንዓት ይሃብ ምስ ኩሎም ተቓለስቲ ደለይቲ ፍትሒ!!!!!
ተኻፋሊ ሓዘን
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
29 ጥቅምቲ 2014

ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ..ድኣ? ሻብዓይ ክፋል

ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ..ድኣ?

ሻብዓይ ክፋል

ሻብዓይ ክፋል ጽሑፈይ ከምቲ ዝሓለፈ ክፋላት ጽሑፈይ ዘይኮነ፡ ንጹር መርገጺኻን እምነትካን ተረጋግጸሉ ኣዝዩ ከቢድ ትብዓትን ምስትውዓልን ምምርማርን ዝሓትት ትሕዝቶ ዝሓዘ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ማዕረ ማዕረ ምዝርግሑ ጫውጫው ምባልን ናይ ጸለመ ዳርባታትን ክመጻኒ ምዃኑን ኣቐዲመ ዘረጋገጽኩዎ ኢዩ፡፡ የግዳስ ክነትዕ ዝግበኦ ቀንዲ ሕበጣትና ስለ ዝኾነ ሎሚ ግድን ክጥባሕ ኣለዎ፡፡ ቀዲመ ክሕብሮን ክብሎን ዝደሊ ግን፡ እቶም ኣብዚ ሕጂ ዘልዕሎ ጉዳይ ርእይቶኹም ነቐፌታኹም ደገፍኩም ትህቡ ኩሉኹም፡ ብስምዒት ዘይኮነ ብኣፍልጦን ብምስትውዓልን ክኸውን ምስ ኣኽብሮት ይምሕጸነኩም፡፡ ብስም ኤርትራ ንኤርትራውያን፡ ጉዳይና ባዕልና፡ ወረርትን ቀናኣትን ኣለዉና፡ ኣመሪካዶ ወያነ፡ ኢትዮጵያ ድኽምቲ ኤርትራ ኢዮም ዝደልዩ ወዘተ ወዘተ ንዓሰርተው ሸውዓተ ዓመታት በልዩ ዝተመናነሀ ደርፊ ህግደፍ ሪሚክስ ገይርና ብገርህና ዝደረፍናዮን ዘጣቓዕናዮን በቃ ይኣክል፡፡ ሎሚ ነገራት መሊስና ክንጠናንጎ ዘይኮነ፡ ብኸመይ እቲ ናብ ዕርብርብ ዘምረሓና ዘሎ ግርጭት ይፍታሕ ኩልና ንጽዓር፡፡ ጉዳይና ነባርን ዘተኣማምንን ፍታሕን መዓልቦን ክረክብ ነገራት ካብ ሱሮም ንመርምሮም፡፡ ብስምዒትን ብህልኽን ትምክሕትን ተወጢርና ዘይኮነ ብኣፍልጦን ብምስትውዓልን ብልቦናን ተቢዕና ንግጠሞ፡፡

ብዛዕባ መንʼዩ ጀማሪ ኲናት ኣብ ሻድሻይ ክፋል ጽሑፈይ፡ ብቓላት እቶም ሃዋርያ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ ሓርበኛታት መራሕቲ ገድሊ ኤርትራ፡ ገለ ኣብ ጎዳጉዲ ማሕር ዒራዒሮ ዝተሰውኡን ገለ ገና ኣብ ከቢድ ስቅያት ዝርከቡን ብህይወት ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ዘይይፍለጡ ጀጋኑ፡ ጀማሪን ፈላምን ውግእ ባዕሉ ኢሳይያስ ምዃኑን ኣፍልጦ ከም ዘይነበሮምን ምስ መርትዖታቱ ኣቕሪበዮ እየ፡፡ ብዓቢኡ ውን ስርዓት ህግደፍ እወ ውግእ ባዕልና ጀሚርናዮ ክብሉ ንኮሚሽን ካሕሳ ኣሚኖምሉን ክታሞም ኣምቢሮምሉን ኢዮም፡፡ ስለ ዝኾነ እቲ ብዘይ ኣፍልጦ ቀዳማይ ካልኣይ ሳልሳይ ወራር እናበልና ንጽወዖ እውን ግጉይ ምዃኑ ክንርዳእ ይግባእ፡፡ መንʼዩ ጀማሪ ብሕጊ ተረጋጊጹ መዝገቡ ዝተዓጽወ ጉዳይ ስለዝኾነ ወረርቲ፡ ጠላማት፡ ኣይእመኑን ኢዮም ዝበሃል ዕንኪላሎ ዘረባን ጽውጽዋይን ንግደፎ፡፡ ናብቲ ካልኣይን ተኣፋፍን ዛዕባና ኮምሽን ዶብ ብዝሃቦ ቀያድን እግባይ ዘይበሃሎን ውሳነ ነባሪ ፍታሕ የምጽእʼዶ ንኺድ፡፡

ቀዳማይ ጉዳይ ባድመን ብኮሚሽን ዶብ ዝተዋህበ ይግባይ ዘይበሃሎ ውሳነን፡፡ እቶም ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝተዋህበ ውሳነ እንታይን እንታይን ዘጠቓለለ ምዃኑ ከይፈለጠ ንሕና ንፈልጠልካ፡ ንሕና ዝበልናዮ ፍተዎ ጽልኣዮ ክትቅበሎ ኢኻ ንብሎ ዘለና፡ ብርግጽ ኮምሽን ዶብ ብዝሃቦ ብይን ምሕንጻጽ ዶብ ፍታሕ ከምጽእ ይኽእል ኢልና ዲና ንሓስብ..? ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ውሳነ ብርግጽ ባድመ ናይ ኤርትራ ምዃና ኣብቲ ዝወሰኖ ውሳነ ኣረጋጊጹዎ ኣሎ፡፡ ብኣንጻሩ ግን ኮሚሽን ዶብ ሕጂ ልቦና ብዝመለኦ ሓቀኛ ሕውነታዊ ምርድዳእ መዓልቦ እንተዘይ ገይርናሉ ንዘንተ እለት ኣብ ረጽሚ ዘእቱ ጌጋታት እውን ፈጺሙ ኣሎ፡፡ ስለምንታይ መዛረቢ ዛዕባና ባድመ ጥራይ ይኸውን..? ስለምንታይ ኣብዚ ከቢድ ዛዕባ እቶም ዝፈልጡን ኣብ ፖለቲካዊ ስራሕ ተጸሚድና ንሰርሕ ኣለና ዝብሉ ፖለቲካውያን ውድባትን ምሁራት ኤርትራውያን ጥቕሙን ጉድኣቱን ብዓውታ ንህዝቢ ዘይነግሩ…? ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ውሳነ ኣዝዩ ከቢድ መጻኢ ክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ሓሸውየን ረጽምን ከም ዘእቱ ብሓቂ ጠፊእዎምን ተሰዊርዎምን ድዩ..? ወይስ ብኢሳይያሲዝም ስነ-ሓሳብ  ሓንሳብን ንሓዋሩን ተሰኒፎምን ባህሪሮምን ኢዮም፡፡ ብወገነይ ኮሚሽን ዶብ ብዝሃቦ ብይን ምሕንጻጽ ዶብ ካልእ ዝገደደ ረጽሚ እምበር ፍታሕ ከምጽእ ኣይክእልን ኢዩ፡፡ ስለምንታʼዩ ነባርን ዘተኣማምንን ፍታሕ ከምጽእ ዘይክእል ብዝርዝር ንርኣዮ፡፡

ኣብዚ ጉዳይዚ ብዝያዳ ዝንቐፉ እቶም ንቃለስ ኣለና ዝብሉ ውድባትን ምሁራት ኤርትራውያንን ኢዮም፡፡ እቲ ዘይፈልጥ በቲ ህግደፍ ዝዘርገሖ ጌጋ ሓበሬታ ከም ዘበነ ውበ ጸሚሙ ውበ እንተበለ ኣይተሓዞን ኢዩ፡፡ እቶም ዝፈልጡ ግን ኣዝዩ ከቢድ መጻኢ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ሕንፍሽፍሽ ኣብ ዘእቱ ታሪኻዊ ገበን ኢዮም ዝፍጽሙ ዘለዉ፡፡ ስለ ዝኾነ ሕጂ ውን ክምብል በለ እምበር ኣይተኻዕወን ከም ዝበሃል  ነቲ ድንክል ኢሉ ዘሎ ግጉይ ኣካይዳን ኣተሓሳስባን ሓቀኛን ዘተኣማምንን ፍታሕን ምርግጋእን ንኽመጽእ ንህዝቢ ብትብዓት እቲ ሓቂ ክነግርዎ ይግባእ፡፡ ማዕሪኡ እዚ ንሕና ንፈልጠልካ ንሕና ንብለካን ዝወሰንናልካን ተቐበል ዝበሃል ዓማጽን መላኽን ኣካይዳን ባህርን ክንኣልዮን ክንውግዶን ይግባእ፡፡ ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ዋና ምዃኑ ብዘረባ ዘይኮነ ብተግባር ተሳታፊ ከም ዝኸውን ክግበር ይግባእ፡፡ ኣብዚ ኣዝዩ ተኣፊ ጉዳይ ብዓቢኡ ህዝቢ፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ብፍሉይ እውን ኣብ ወሰናስን ዶብ ዘሎ ህዝቢ ተዓዛቢ ዘይኮነ ተዋሳእን ዋናን ክኸውን ኣለዎ፡፡ ኣይኮነን እዚ ንሕና ንፈልጠልካ ብዝብል ግጉይ ኣካይዳ ብድሌት ውልቀ መራሕቲ ዝግበር ዕበጦ ዕበጦ ጽባሕ ናብዘይ ዓርፍ ረጽሚ ክሰጋገር ከም ዝኽእል ምግንዛብ የድሊ፡፡

ኮምሽን ዶብ ብዜካ እቲ ባድመ መሬት ኤርትራ ምዃኑ ዝሃቦ ውሳነ፡ ካልእ እንታይን እንታይን ውሳነታት ኢዩ ኣብቲ ካርታ ኣስፊርዎ ዘሎ ሓደ ብሓደ ምርኣዩ ኣገዳሲ ኢዩ፡፡ ኮምሽን ዶብ ኣዝዩ ሰፊሕ መሬት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣትው ውሳነ ሂቡ ኣሎ፡፡ ብተመሳሳሊ እውን ሰፊሕ መሬት ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ከም ዝኣቱው ኣብቲ ዝሃቦ ውሳነ ኣብ ካርትኡ ኣስፊርዎ ኣሎ፡፡ ንጭቡጥ ዝርዝራቱ ሰፊሕ መሬት ከባቢታት ደንከል ባዳ መሬት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣትው ግጉይ ውሳነ ሂቡ ኣሎ፡፡ ብተውሳኺ ብመሰረት ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኩለን ዓድታት በለሳ ከባቢ ጸሮና፡ ዓድታት ዑናናዞ፡ ዓዲ ኩቱ፡ ሰብዖ፡ ዑናሽሓቕ፡ ቆሎ ብርዶ፡ ዓዲ ሽሁ፡ ክሳብ ምግምጋም ሓስሓሶ ከምኡ ውን ዓድታት ኩደወይባ፡ ማይዓጋም እቲ ከቢድ ደማዊ ውግእ ዝተኻየደሉ ጎላጉል እግሪ መኸል ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው እዩ ኣብ ካርትኡ ወሲንዎን ኣስፊርዎን ዘሎ፡፡ ኣብ ከባቢ ስመጃና እንተ መጺእና  እውን ክሳብ ገለ መሬታት ኮኾባይ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ እዩ እቲ ውሳነ ተዋሂቡ፡፡ ብመንጽር መሬት ኢትዮጵያ እንተኸድካ እውን ተመሳሳሊ ግጉይ ውሳነ ኢዩ ኮሚሽን ዶብ ኣብ ካርትኡ ኣስፊርዎ ዘሎ፡፡ ገለ ክፋል መሬት ዓድታት ኢሮብ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ኮሚሽን ዶብ ኣብቲ ይግባይ ዘይበሃሎ ብይኑ ወሲኑ ኣሎ፡፡ ስለ ዝኾነ እዚ ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ግጉይ ውሳነ ብሓቂ ዲና ነባርን ዘተኣማምንን ፍታሕ ከምጽእ ኢዩ ኢልና ንምጉት ዘለና፡፡ እዚ ግጉይ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ህዝቢ ኤርትራ ብሓቂ ማሕረ ኢሉ ይቕበሎʼዶ…? ማዕሪኡ እውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ጸዓዱ ዝፈረድዎ ቅኑዕን ፍትሓውንዩ ብምበል ዝቕበሎ ድዩ ዝመስለና..? ብወገነይ እዚ ውሳነ እዚ ዝገደደ ረጽምን ምምዝባልን እምበር ፍታሕ ከምጽእ ኣይክእልንʼዩ ዝብል እምንቶ ኢዩ ዘለኒ፡፡ ስለምንታይ…?

ብቐዳምነት ሃገር ማለት ሜዳን እምባን ኩርባን ባሕርን ዘይኮነ ህዝቢ ኢዩ፡፡ ንኤርራዊ መንነትን ኣተሓሳስባን ሃገራውነትን ዘለዎ ህዝቢ፡ አሞ ድማ ንስለ ናጽነትን ሪምን ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈለን ዝሰንከለን ዝኸርተተን ዝተጋደለን ህዝቢ፡ ኮምሽን ዶብ ናብ ኢትዮጵያ ክትሕወስ ፈሪዱካ ኢዩʼሞ ኢትዮጵያዊ ኢኻ ክትብሎ በየናይ ስነሞጎት፡፡ እዚ ውሳነ እዚ ተመሳሳሊ ጌጋ እቲ ኣብ ሓምሳታት ዝተፈጸመ ውሳነ ፈደረሽን ዝመሳሰል ታሪኻዊ ጌጋ ኢዩ፡፡ ማዕሪኡ ኢትዮጵያዊ መንነትን ኣተሓሳስባን ሃገራውነትን ዘለዎ ህዝቢ ኮሚሽን ዶብ ናብ ኤርትራ ክትሕወስ ፈሪዱካ እዩʼሞ ኤርትራዊ ኢኻ ስለ ዝተባህለ ጻዓዱ ስለ ዝፈረድዎ ኣሜን ኢሉ ተቐቢሉ ዘተግብሮ ድዩ ዝመስለና ዘሎ፡፡ ብዛዕባ እቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታትን ክውንነትን ባዕሎም እቶም ዋናታት ብሰፊሑ ከብርህዎን ክገልጽዎን ተስፋ ይገብር፡፡ እቲ ብወገን ኤርትራ ዘሎን ብዓቕመይ ዝፈልጦን ግን ኣብ ባይታ ካብ ዘጋጠመ ነገራት ጭብጥን መረዳእታን ክህበሉ ክፍትን እየ፡፡

እቲ ኣብ ደንከል ከባቢ ባዳ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው ኮሚሽን ዶብ ብይን ዝሃበሉን ኣብቲ ንኽልቲኡ ሃገራት ዝተዋህበ ካርታ  መሬት ኤርትራ ስርዓት ህግደፍ ሓደ መዓልቲ ኣልዒልዎን ዘኪርዎን ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ከባቢ ስመጃና ኣከለጉዛይ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ዝተወሰነ መሬት እውን ስርዓት ህግደፍ ተዛሪቡሉን ዘኪርዎን ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡ እቲ ኩሉ ግዜ ዝለዓል ባድመ ባድመ ባድመ ዝብል መሬትን ጉዳይን ጥራይ ኢዩ፡፡ ስለምንታʼዩ እዚ ቀዲመ ዝጠቐስኩዎ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ግጉይ ውሳነ ዘይለዓልን ዘይዝከርን…? ስርዓት ህግደፍ ከቢድ ረጽሚ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክመጾ ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ፡፡ ኣብ 2010 ዓ/ም ስርዓት ህግደፍ ካብ ህዝቢ ዓድታት በለሳን ከባቢታት ጸሮናን ዓቢ ትምህርትን ተመኩሮን ረኺቡ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ኩሉ ነገር ዓቢስካ፡ ኮሚሽን ዶብ ቅኑዕን ፍትሓውን ውሳነን ብይንን ከም ዝሃበ ንህዝቢ ባድመ ብዝብል ደርፊ ከም ዝጸምምን ከም ዝድንቁርን ገይርካ፡ ዕደመ ስልጣኑ ከናውሕ ኢዩ አቲ ድራማ ተሰሪሑ፡፡ ብዘይ ቀልዓለም ህግደፍ በቲ ዝሰረሖ ድራማ ተዓዊቱን ክሳብ ሕጂ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ድንግርግር ኣእትዩን ኣብ መንበረ ምልኪ ስልጣን ተወጢሑ ይቕጽል እውን ኣሎ፡፡ ሎሚ ንብዙሓት እዚ ጉዳይ ከም ዝሕድሸና ርግጸኛ እየ፡፡ ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ውሳነ ግን ከምዝዚ ተገሊጹ ዘሎ ኢዩ፡፡ ብመሰረት ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ሰፊሕ መሬት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ኣሎ፡፡ ማዕሪኡ ድማ ኤርትራዊ መበቆልን መንነትን ዘለዎ ህዝቢ ኢትዮጵያዊ ኢኻ ይበሃል ኣሎ፡፡

በቲ ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ብይንን ውሳነን ስርዓት ህግደፍ ንዓድታት በለሳን ከባቢታት ጸሮናን ከም መማለዲ ንባድመ ክኸውን ኣብ 2010 ፈተነ ኣካይዱ ነይሩ ኢዩ፡፡ ኣብቲ እዋን እቲ ላዕለዎት ልኡኻት ኢሳይያስ ኮይኖም፡ ኣብቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ምስ ስርሒት ፎርቶ ብምትሕሓዝ ኢሳይያስ ናብ ማሕዩር ካርሸሊ ክወርድ ዝፈረዶም፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ነበር ሙሱጦፋ ኑርሕሴን፡ ከምኡ ውን ካብ ሞት ንስክላ ድሒኑ ኣብ ከቢድ ስንክልና ዝርከብ ብርጋደር ጀነራል ኢዮብ ሓሊባይን ኢፍትሓዊ ውሳነ ንህዝቢ እቲ ከባቢ ኣርዲኦሞ ኢዮም፡፡ ቃል ብቓሉ እቲ ዝበልዎ ንምድጋሙ፡ “ኮሚሽን ዶብ እዚ ከባቢ መሬት ኢትዮጵያ ምዃኑ ወሲንዎ ኢዩ፡፡ ወያነ ካብ ባድመ ክወጽእ እንተድኣ ኮይኑ እዚ ከባቢታት ብመሰረት ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ንኢትዮጵያ  ከነረክቦም ኣለና፡፡ ንዓኹም ድማ ዝበለጸ ሰፊሕን በዱን መሬት ኣብ ጋሽ ባርካ መንግስቲ ክህበኩም ኢዩ፡፡” ዝብል ኢፍትሓዊ መምርሒ ኢዩ፡፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ ንሕና ኤርትራውያን ኢና፡፡ እዚ መሬት ድማ መሬትና ርስትና መንነትና ኢዩ፡፡ ንባድመ ክንብል ርስትናን ርስቲ ኣበሓጎታትናን ዝኾነ መሬትና ኣይንሓድግን ኣይንሸይጥን ዝብል ኢዩ፡፡ ኣረ ብግዲ ብውዲ ብዓማጺ መምርሒ ስርዓት ህግደፍ ብሓይሊ ንጋሽ ባርካ ክግዕዙ እውን ዓሰርተታት ዓበይቲ መካይን ብወተሃደራት ተዓጂበን መጺአነኦ፡፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ ግን ተበቲኑ፡፡ ብዙሓት እውን ምስ ቤተሰቦም ዶብ ተሳጊሮም ንስደት ናብ ኢትዮጵያ ንመዓስከር ማይ ዓይንን ማይ ጸብርን ኣትዮም፡፡ እሞ ድኣ እዚ ድዩ ኮሚሽን ዶብ ብዝሃቦ ብይን ምሕንጻጽ ዶብ፡ ፍታሕ ከምጽእ ኢልና ንሓልም ዘለና……? ጠንቅን መበገስን እዚ ናብ ዕርብርብ ኣምሪሑና ዘሎ ኲናት ዶብን ባድመን ከም ዘይኮነ ክንፈልጥ ይግባእ፡፡

ይ  ቕ  ጽ  ል………

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

[email protected] (+251-921924501)