ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ሕጂኸ ናበይ-?!

ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ሕጂኸ ናበይ-?!

እወ! እዛ ዓባይን ጥንታዊትን ቤተ-ክርስቲያን፥ ሕጂኸ ናበይ ኣቢላ’ያ ክትጐዝ ትደሊ ዘላ-? ዝብል ሕቶ ብምልዓል እቲ ጉዳይ ምርኣዩ ከድልየና እዩ። ከም-ዝፍለጥ እዛ ብቕድስና ዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ፥ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብተጽዕኖ ፖለቲካ ደኣ’ያ፥ ክትድፋእን ክትሰሓብን ዝጸንሐት እምበር፥ ባዕላ መደብ ሓንጺጻ ክትገብሮ ይግብኣ ዝነበረ ጉዕዞ፥ ተፈቐዱላ ነይሩ’ዩ ዝበሃል ታሪኽ የልቦን። እሞ ሕጂኸ ካብቲ ክግበረላ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ-ተጽዕኖ ነፃ ኮይና፥ ባዕላ ቤታ ከተመሓድር’ዶ ክትክእል’ያ-? ዝብል ሕቶ ብምልዓል ነቲ ጉዳይ ምርኣዩ ከድልየና እዩ።

እወ ኣብ 1983 ዓ/ም (1991) ማለት ከም ርእሳ-ዝኸኣለት ነፃ ቤተ-ክርስቲያን ክትቀውም ከላ፥ እቲ ጉዕዞ’ውን ‘ሀ’ ኢልካ ክጅመር ከሎ፥ ፖለቲካዊ-ሹመት ሒዙ ዝመጻ መራሒ ደኣ’ያ ክትቅበል ዝተገደደት እምበር፥ ባዕላ “…ይደልዎ…“ ኢላ ዝመረጸቶ ጳጳስ ከም-ዘይነበራ ክከሓድ ዘይከኣል ሓቂ’ዩ። ስለዚ እዛ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ እዚ ዝሓለፈቶ ዓመታት ኩሉ፥ ኣብ ባይታ ዘይነበረ ኣፍኣዊ ነፃነት ሒዛ ደኣ’ያ ክትጐዓዝ ዝጸንሐት እምበር፥ ቤታ ከተመሓድር ዘኽእላ መሰል ነይሩዋ’ዩ ክንብል ዘኽእለና መርትዖ፥ ክንረክብ ከም-ዘይንኽእል ኣረጋጊጽካ ክዝረብ ዝከኣል ሓቂ’ዩ።

ርግጽ’ዩ ንስለ ዘረባ እንተደኣ-ኮይኑ ሲኖዶስ ነይሩ’ዩ። ሕጂ’ውን ኣሎ። ብዘይ ዝኾነ መምዘንን መዐቀንን ወይ ክራይተሪያ ካብ ዝተመርጸ ሲኖዶስ፥ ዝኾነ ትጽቢት ክግበር ስለ-ዘይከኣል ግና፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ዋና ከም-ዘይብሉ ቤት ኩሉ ዝዕንድረላ-ሜዳ ኮይና’ያ ጸኒሓ እንተ-ተባህለ፥ ንምግናን ተባሂሉ ዝበሃል ዘሎ ኣይኮነን። እምበኣር እኩብ ድምር ናይዚ ዝተባህለ ኩሉ’ያ እዛ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ፥ ኣብዚ ሕጂ ትርከቦ ዘላ ኣዚዩ ዘሕዝን ኩነታት ወዲቓ ትርከብ ዘላ። እንሆ  ሕጂ ግና እግዚኣብሔር ብዓይኒ-ምሕረቱ ክጥምታ ቅዱስ-ፍቓዱ ግዲ ኮይኑ፥ እቲ ጸበባኣን ጸገማን ኣብ መድረኽ ቀሪቡ ክዝረበሉ፥ እዋኑን ሰዓቱን ዝበጽሐ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።

እዚ ድማ ስቕ ኢሉ ብኣጋጣሚ ዝኾነ ዘይኮነስ፥ እቶም ገዳማውያን-ኣቦታትና ብዝገበሩዎ ዕዉት-ተቓውሞ ምዃኑ፥ እቲ ካብ ኣሥመራ ዝመጽእ ዘሎ ዜናታት የረድእ ኣሎ። እወ! “ድሕሪ ሞት፥ ጥዕና ቅበጽ” ከም-ዝበሃል፥ እቶም ኣቦታት ቤተ-ክርስቲያን መጻወቲ ሓላፍነት ዘይስምዖም ውልቀ-ሰባት፥ ኣብ እትኾነሉ ደረጃ ወዲቓ ምስ-ረኣዩዋ፥ ዓይኖም ዓሚቶምን እዝኖም ዓጽዮምን ክቕመጡ ሕልንኦም ዝቕበሎ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ስለዚ’ውን ኣንጻር’ቶም ብቐጻሊ ንቤተ-ክርስቲያን ከዕንዉዋን ክፍርሱዋን ዝጸንሑ፥ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስን ሃብቶም ርእሶምን ዝተባህሉ ክልተ-ገበነኛታት ክልዓሉ፥ ንጽባሕ ዘይበሃል ኣዚዩ ኣገዳሲ ጉዳይ ኮይኑ ረኺቦሞ።

ብርግጽ እዞም ክልተ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ዓቐኑን መጠኑን ዝሓለፈ ብልሽውና ክፍጽሙ ጸኒሖም ተባሂሎም፥ ብቐጻሊ ክኽሰሱን ክውቀሱን ዝጸንሑ ውልቀ-ሰባት፥ ንልዕሊ ዓሠርተ-ዓመት ክፍጽሙዎ ዝጸንሑ ገበን ቈጺርካን ጸብጺብካን ዝውዳእ ኣይኮነን። እዚ ብኣታቶም ክፍጸም ዝጸንሐ ብልሹውን ግዕዙይን ኣሠራርሓ’ዚ ድማ፥ ንኽንድዚ ዝኣክል-ዓመታት ክቕጽል’ውን ይግብኦ ኣይነበረን። እቲ ብሲኖዶስ ዝፍለጥ ናይ ጳጳሳት-ጉባኤ፥ ኣብ ልዕሊኡ ዝተነብረ ረዚን-ሓላፍነት ክርዳእ ብዘይ-ምኽኣሉ ግና፥ እታ ብቕድስና ዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ቤተ-ክርስቲያን፥ ንከቢድ ሓደጋ ከም-እትጋለጽ ገይሩዋ ይርከብ ኣሎ። ስለዚ’ውን እቶም ጳጳሳት ካብቲ ገበን ነፃ ዝኾኑሉ ምኽንያት ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ከመይሲ”-ኣንብር ዝበሉዎ ኣየጥፍእ፥ ኣጸብቕ ዝበሉዎኸ ኣየኽፍእ-”  ዝብል ምስላ ምህላዉ ክፍለጥ ይግባእ።

ይኹን እምበር ነቶም ጳጳሳት ካብቲ ገበን ነፃ ክገብሮም ዘየኽእል ካልእ ምኽንያት’ውን ኣሎ። ነቲ ምስ ሕግን ሥርዓትን ቤተ-ክርስቲያን ዝኾነ ምፍላጥ ኣለዎ ዘይበሃል ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ፥ “-ዋና ኣማሓዳሪ-“ ብዝብል መዓርግ ኣብ ዘይግብኦን ኣብ ዘይምጥኖን መንበር ክቕመጥ ዝገበሩ ንሳቶም እዮም። ብተወሳኺ ኣብ ሥልጣን ደልዲሉ ንምቕማጥ ዘኽእሎ ባይታ ንምጥጣሕ’ውን፥ ሕጊ ቤተ-ክርስቲያን ክሳብ ምቕያር ዝበጽሕ ርሕቐት ከም-ዝተጓዕዙ፥ ኣብቲ ደምበ-ተዋሕዶና ነዚ ጉድ’ዚ ዘይፈልጥ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ስለዚ እቲ ግዙፍ-ኣካል ዝኾነ ዮፍታሔ፥ ከምኡ’ውን እቲ መሠርይ ዝኾነ ሃብቶም ርእሶም፥ በቲ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ክፍጽሙዎ ዝጸንሑ ብልሽውና’ኳ ተሓተቲ’ዮም እንተ-ተባህለ። እቶም ሓላፍነቶም ብምዝንጋዕ ነቲ ኩሉ ውድቀት ምኽንያት ዝኾኑ ጳጳሳት፥ ብዝለዓለ ደረጃ ተሓተትቲ ክኾኑ ከም-ዝግባእ’ውን ክዝንጋዕ ዘይብሉ ነጥቢ’ዩ። ከምዚ ምስ ተረኽበ ከኣ’ዩ “-ኣይበዲዶ እንዶ ዝቐደዶ-“ ተባሂሉ ክምሰል ዝኸኣለ።

እቲ ዝዓበየ እቲ ሲኖዶስ ዝገበሮ ገበን፥ ነቲ ተራ-ጭዋ ዝኾነ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ መተካእታ ፓትርያርክ ገይሩ፥ ኣብቲ ዝለዓለ መንበር ከቐምጦ ምእንቲ ክኽእል፥ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ መዓርጎም ኣውሪዱ፥ ሥልጣኖም ስዒሩ፥ ኣብ ማሕዩር ከምዝተሓዙ ዝገበሮ ገበን፥ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ተዋሕዶ ዝተፈጸመ ጥልመትን ክሕደትን እዩ። ስለዚ እቶም ገዳማውያን ኣቦታትና፥ ንተግባር እቶም ጳጳሳት ኣጸቢቖም እናፈለጡዎ ክነሶም፥ ከመይ ኣቢሎም’ዮም ሕጂ ነዚ ተላዒሉ ዘሎ ጉዳይ፥ ንሳቶም ደያኑ ኮይኖም ክዳንዩዎም ዝደልዩ ዘለዉ-?! “-ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎስ፥ ክመልሰለይ ነይኣምኖ-“ ዝብል ምስላ ምህላዉኸ ከመይ ኣቢሎም ክዝንግዕዎ ይኽእሉ-!! ከመይሲ እቶም ጳጳሳት በቲ ዝገበሩዎ ዕንወት ዝሕተቱ ኮይኖም እናሃለዉ፥ ብደረጃ ዳኝነት ኣብ መንበር ፍርዲ ዝቕመጡ ኮይኖም ክርከቡ፥ ብዝኾነ መዐቀኒ እንተ-ተራእየ ቅቡል ኮይኑ ዝርከበሉ ምኽንያት ኣሎ ኣይንብልን። ስለዚ እቶም ንሓላፍነት ብቑዓት ኮይኖም ብዘይ ምርካቦም፥ ተሓባበርቲ ዮፍታሔ ኮይኖም ዝጸንሑ -ጳጳሳት፥ በቲ ዝፈጸሙዎ ኩሉ ዝሕተቱ ደኣምበር፥ ንዳኝነት ዝሕሰቡ ከም-ዘይኮኑ ጸቒጥካ ክዝረበሉ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ፥ ነቶም ገዳማውያን-ኣቦታትና ከነተሓሳስቦም ግቡእና’ዩ።

ርግጽ’ዩ እቶም ገዳማውያን-ኣቦታት ብዝገበሩዎ ተቓውሞ፥ እቶም ከም መንድዓት ኣብ ክሳድ ቤተ-ክርስቲያን ተጻዒኖም፥  እቲ ኩሉ ብልሽውና ክፍጽሙ ዝጸንሑ ክልተ-ገበነኛታት፥ ተደፊኦም ክወጹ ምኽኣሎም ነቲ ደምበ-ተዋሕዶና ዓቢይ-ዓወት ምዃኑ ኣየከራኽርን። ይኹን እምበር እቲ ዝዓበየ ሥራሕ እቲ ብድሕሪ’ዚ ስዒቡ ዝመጽእ መድረኽ ምዃኑ፥ ክዝንጋዕ ዘይግብኦ ነጥቢ’ዩ። ማለት ንድሕሪት ተመሊስካ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተፈጸመ ኩሉ ክዝከር ከሎ፥ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ብማዕበል-ፖለቲካ ተደፊኡ’ዩ ናብ ቤተ-ክርስቲያን ክኣቱ ዝኸኣለ። ሕጂ ግና እቲ ትማሊ ዝተፈጸመ ግህሰት-ሕጊ፥ ሕጂ ከም-እንደገና ክድገም ዝደሊ የልቦን። ስለዚ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ነፃ ኮይና ቤታ ከተመሓድር ዘለዋ መሰል ክኽበረላ ኣለዎ። ካብኡ-ዝተረፈ ካብ ሕጂ ንደሓር እቲ ደምበ-ተዋሕዶና፥ ንዝኾነ ዝግበር ኢድ ምትእትታው ዝጻወር ኮይኑ ክርከብ ከም-ዘይግባእ፥ ኣብ ኣደባባይ ወጺእካን ድምፅኻ ዓው ኣቢልካን ክዝረበሉ ዝግባእ ጉዳይ ምዃኑ፥ ክዝንጋዕ ኣይግባእን።

ርግጽ’ዩ እቶም ክብደት-ሓላፍነት ይርድኦም’ዩ ዘይበሃሉ ጳጳሳት፥ ምስ ዮፍታሔ ተሓባቢሮም ነቶም ንሕማቕ-መዓልቲ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ተባሂሉ ዝእመነሎም ዝነበሩ ሊቃውንቲ ስለ-ዘጥፍኡዎም፥ ሎሚ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ብዘይ-ሰብ ገረውረው ኢሉ ከምዘሎ፥ ዝስሕቶ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። እቶም ብሕይወት ኣለዉ ዝብሃሉ ዝርካቦም ድማ፥ ገሊኦም ንመቝሕ ኣሕሊፎም ሂቦሞም ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ክርከቡ ከለዉ፥ እቲ ዝበዝሕ ክፋል ድማ ኣብ ስደት’ዩ ዝርከብ ዘሎ። እቲ ዝተዓጻጸፈ ቁጽሪ ዘለዎ ዉሉደ-ክህነትና ከኣ ከምኡ፥ እቲ ሲኖዶስን ዮፍታሔን ሓባርን ተሓባባርን ብምዃን፥ ተሰካም ጠበንጃ ኮይኑ ኣብ በረኻ ከም-ዝበሊ እናገበሩዎ’ዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ብኣንጻሩ ኣብያተ-ክርስቲያናትና ድማ ዘገልግለን ሲኢነን ዝዕጸዋ ዘለዋ ብዙሓት’የን።

ብዝኾነ “-ጭራ-ነብሪ ኣይትሓዝ፥ እንተ ሒዝካኸ ኣይትልቀቕ-“ ከምዝብሃል፥ እዚ ጉዳይ’ዚ ዮፍታሔን ሃብቶም ርእሶምን ስለ-ዝተሰጉ ጥራይ፥ ዕግበት ተሰሚዑና ክንሓድጎ ዝግበኣና ጉዳይ ኣይኮነን። እቲ ዝዓበየ ሕቶና ሕቶ’ቶም ንዓሠርተ-ዓመት መመላእታ፥ ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ዘለዉ ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስ’ዩ ክኸውን ዝግባእ። እዚ ከኣ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ እነእትዎ ጉዳይ ክኸውን ኣይግባእን። ይኹን እምበር ምስ ሕቶ ምፍታሕ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣተሓሒዝካ ክርአ ከሎ፥ ናይ ዮፍታሔን ሃብቶምን ምስጓጕ ኣብ ግምት እነእትዎ ጉዳይ ኣይኮነን። እቲ ዝዓበየ ሕቶና ምፍታሕ እቶም ፓትርያርክ’ዩ ክኸውን ዝግባእ። እዚ ኸኣ’ዩ እቲ ዝዓበየ ደምበ-ተዋሕዶና ትዅረት ክገብረሉ ዝግባእ ዓቢይ-ጉዳይ።

ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ንጎቦ ኣቐሚጥካ ክመጽእ ዝኽእል ፍታሕ’ውን ኣሎ ኣይንብልን። ከመይሲ እቲ ንጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣብጺሑዎ ዝርክብ ዘሎ፥ እቲ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ነቶም ጳጳሳት ከም መጋበሪ ብምጥቃም፥ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ መንበሮም ክወርዱ ዝገበሮ ሰይጣናዊ-ውዲት እዩ። ስለዚ “ብዓመጽ ዝተወስደ፥ብፍትሒ ይመለስ“ ከምዝበሃል፥ ሕጂ ድማ እቲ ዝዓበየ ሕቶና ሕቶ “-ፓትርያርክ-እንጦንዮስ-“ ደኣምበር፥ እቲ ንዮፍታሔን ሃብቶምን ንምስጓጕ ዝተወስደ ስጉምቲ፥ ካብዚ ዓቢይ ጉዳይ’ዚ ኣውጺኡ ከዘናግዓና ዝግብኦ ኣይኮነን። ከመይሲ መንገዲ ገዲፍካ ብጓል-መንገዲ ዓዲ ክእቶ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ካብ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ወጻኢ ዝተገብረ ዘይ-ቀኖናውን ዘይ-ሕጋውን ምርጫ-ፓትርያርክ ኣባ-ዲዮስቆሮስ፥ “-ልቐቕ  ዘይ-ርስትኻ፥ ውረድ ዘይ-በቕልኻ-“ ከምዝበሃል፥ እቲ መንበር ናብቶም ሕጋዊ-ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስ ክምለስ ክኽእል ኣለዎ።

ብዝተረፈ ጠቕላላ ኩነታት ቤተ-ክርስቲያንና፥ ኣብ ትሕቲ ጽላሎት ከቢድ-ሓደጋ ይርከብ ምህላዉ እናተፈልጠ ከሎ፥ እቲ ብልቦና ዘይፍለጥ ዮፍታሔን፥ እቲ መሠርይ ዝኾነ ሃብቶምን ስለ-ዝተሰጉ ጥራይ፥ ከም ሓደ ዓቢይ-ዓወት ቈጺርና እፎይታ ክስመዓና ኣይግባእን። ከመይሲ እዛ ንዓመታት ተጨውያ ትርከብ ዘላ ቤተ-ክርስቲያንና፥ እቲ ዋናኣ ዝኾነ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ኣብ ኢዱ ክርከባ ክኽእል ኣለዎ። ብዝተረፈ ኣብ ኢድ ዘይ-ዋናታት ስለ-ዝጸንሐት እኮ’ዩ፥ እዚ ኩሉ ውድቀትን ዕንወትን ክርከብ ክኢሉ ዘሎ። ስለዚ’ውን እቶም ሰብ-ፖለቲካ ነዚ ጉዳይ’ዚ ብልቦና ክጥምቱዎ እንተዝኽእሉ፥ ክንደይኮን ከመስግኖም ምኸኣለ ነይሩ-!!

እምበኣር ከምቲ ኣብ ኣርእስቲ እዚ ጽሑፍ’ዚ ተባሂሉ ዘሎ፥ ጉዕዞ ቤተ-ክርስቲያን ሕጂኸ ናበይ-? ዝብል ሕቶ፥ ኩሎም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ክምልሱዎ ዝግብኦም ምዃኑ፥ ክዝንግዕዎ ኣይግባእን። ከመይሲ ንልዕሊ ዕሥራ-ዓመት ካብቲ ክትጐዓዞ ዝግብኣ መሥመር ወጻኢ፥ ሪሒቓ ክትከይድ ጸቕጢ ክግበረላ ስለ-ዝጸንሐ፥ በዓል-ዮፍታሔ ናብ ዝወሰዱዋ ክትጉተት ከም-ዝጸንሐት ዝፍለጥ እዩ። ሕጂ ግን ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት እቲ ናይ ትማሊ ጌጋ ክድገም፥ ክንጻወሮ ዘይንኽእል ምዃንና ድምጽና ኣበርቲዕና ከነስምዕ ክንክእል ኣሎና። ኩሉ ነገር ወሰን ስለ-ዘለዎ’ውን “-ይኣክል-“ እንብለሉ ግዜ ሕጂ’ዩ።

ሊቀ-ካህናት ተክለማርያም ምርካጽዮን
ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ