ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ሓዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ

ነዚ ንምግባር ዚደፍኣና ዘሎ ምድራዊ ወይ ሓላፊ ነገር ንምዕታር ወይ ክብርን ዝናን ተመኒና ወይ ድማ ንኻልእ ናብ ወገንና ንምስሓብ ዘይኮነስ ናይ ኣገልግሎት ባህጊ ጥራሕ’ዩ። ስለ’ዚ ሃገር ናይ ሰባት ድኻ ትኸውን ከምዘላ ብግልጺ ዚረአ ዘሎ ኵሉ፣ ኣብ ዝኾነማኅበራዊ ጕዳይ ከም እንዕዘቦ፣ እቲ መንእሰይ ወለዶ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ እቲ ማእከላይ ወለዶ ዚበሃል’ውን ዳርጋ የሎን፣ ንኡስ ወለዶን ሓይልን ዘይብላ ሃገር እንታይ እዩ እቲ ዕድላ? ሃገር ብሕዝባ ብሰባ እያ እትደምቕን እትጽብቕን እምበር፣ ብዘይሰብ ዓዲ ዓዲ ኣይከውንን፡ ሃገር ከኣ ሃገር ኣይትኸውንን።

እዚ ዘብለና ዘሎ ድማ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይፍጸም ዘሎ፣ ናይ ሰባት ቀጻሊ ዋሕድን ዋሕዝን ብሕቱ ዘይኮነስ ንጽባሕ ከጋጥም ዘለዎ ጻንታ እዩ እቲ ዚረኣየናን ዘፍረሓናን ዘሎ። ሓደ ስደተይና ኣብ ዝኸደ ኸይዱ፡ናይ ሃገሩ ናፍቖትን ዝኽርን ብርግጽ የሰንዮ ይኸውን፣ ኣብ ታሪኽ ከም ንርእዮ ግን፡ ንዓዶም ተመሊሶም ዝተባህሉ ስደተይናታት ብኣጻብዕ ዚቝጸሩ እዮም። እዚ ናይ ሕጂ ንኡስን ማእከላይን ዝበልናዮ ወለዶ ጥራሕ ኣይኮነን ዚጠፍእ ዘሎ፡ እቲ ኪትከኦ ዝነበሮ፡ ማለት እቶም ብሕፃናቶም ዝኸዱን፡ ኣብ ዓዲ ስደት ዚውለዱን ደቆም ኵሎም፣ ሃገር ዝኸሰረቶ ወለዶ ከይከውን ዘየፍርሕ ኣይኮነን።

(ዘፍጥ.4፡9)

ሓዋርያዊ መልእኽቲ

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ።

፳፻ (2014)

ኣሥመራ – ዘመነ ትንሣኤ – ፳፻ (2014)


 

ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?

(ዘፍጥ.4፡9)

ሓዋርያዊ መልእኽቲ

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ።

ዘመነ ትንሣኤ ፳፻(2014)

Where is

yourBrother?

(Gen.4:9)

Pastoral letter

Of the Catholic Eparchs of Eritrea

Easter (2014)

Asmara Eritrea


 

ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? 

(ዘፍጥ.4፡9)

ሓዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ።

ሰላምታ

 
1.“ብእምነት ናይ ሓቂ ደቅና’’ ናብ ዝኾኑ ምእመናንን፣ ናብ ኵሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይን፣ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን፣ ካብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታናን፣ ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።1 ብትንሣኤ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ኃጢኣትን ሞትን ዓወት ዝተረኽበሉ፡ በዚ ዘመነ ትንሣኤ ብጐይታ ኣብ ብርሃን ምእንቲ ክትህልዉ፡ፍረ ብርሃን ዝኾነ ጽድቅን ሓቅን ክትለብሱ (ኤፌ.5፡8-9 ረአ) ሠናይ ትምኒትና ንገልጽ።
 
ፍቁራን ብኽርስቶስ ኣኅዋትን ኣኃትን! “እምነት ነቲ ብተስፋ እንጽበዮ ነገር ከም እንረኽቦ ዜረጋግጽ፣ ነቲ ዘይረአ ነገር ከምዘሎ ዜረድእ….”ጥራሕ ዘይኮነ፣ “ዅሉ ዓለማት ብቓል ኣምላኽ ከምዝተፈጥረ…” ዚገልጽ፣ ነቲ ዅሉ ኣብ’ዚ ዓለም’ዚ ዚፍጸምን ዚኸውንን ዘበለ ከኣ ኡነተይና ትርጕሙን መልእኽቱን ብብርሃን “እምነት ስለ እነስተውዕሎ”2፣ ካብ’ዛ እምነት’ዚኣ ተበጊስናን፣ በኣኣ ተንቀሳቒስናን ነዛ ሓዋርያዊት መልእኽትና ነቕርበልኩም።

ምስጋና

2. መብዝሕትኦም ሰባት ብጊጉይ ርድኢት ምዕባሌ ተታሊሎም፣ ካብ እምነት ዘንቢሎም ኣብ ዚርከቡሉ እዋን፣ “ነቲ ብእምነት ዝተፈጸመ ዕዮኹም፣ ኣብ ፍቕሪ ዝተመሥረተ ጻዕርኹም፣ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘላ ተስፋ ንዝተመሥረተ ጽንዓትኩም”3 እናሓሰብና፣ኣብ ጸሎትና’ውን እናዘከርናኩም፣ምእንቲ ኵልኹም ንኣምላኽና ነመስግኖ ኣሎና።4
 
“ብርሃን እምነት ነቲ ሰብኣዊ ሃለዋትናን ኵነትናን፣ ብውሽጡ ከብረሃሉን ንደቅ ግዜና (ደቂ ተባዕትዮንን ደቀንስትዮን) ኣብ ኵሉ ጕዕዞኦም ዘሰንዮም ምእንቲ ኪኸውንን…ንሕይወት ሰባት ብዅሉ መዳያታ፣ እምነት ብኸመይ ዝበለ ኣገባብ ከም
 

1 1ጢሞ.1᎓2
2 ዕብ.11᎓1-3
3 1ተሰ.1᎓3
4 1ተሰ.1᎓2 ረአ
3
 
 
 
ተደልድላን…”5ከነስተንትን፣ነዚ ኸኣ ብቓል-ኣምላኽ ተሰኒና ክንፍጽሞ፣እዚ ዝዛዘምናዮ መደብ ዓመት-እምነት ዘተሓሳስበና እዩ።
 
ነዚ ዓመት እምነት ብዕዉትን ብናይ ምሕዳስ መንፈሳዊ መደባትን ጀሚርና፣ ዝሓለፈን ዘሎን ኵነት-እምነትናን እምነታዊ ጕዕዞናን ዓመት ምሉእ ክንምርምር፡ ንኣምላኽ ክንዝምር፡ ክንጽሊ፡ክንንሳሕ፡ ብምኽኣልና፣ ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያንና ዓቢይ ስጕሚ ብዝኾነ፣ ብናይ ሓዳስ ሰበኻ ሠገነይቲ ምቛም ስለዝባረኸና፡ በቲ ንቐዳሞትና ዝዓደሎ ነቕ ዘይብል እምነት፡ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ልዑል ምስጋና ይብጸሓዮ!
 

ዕላማ

3.ርእሰ ሊቃነጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16፡ ኣብ’ታ “ኣፍደገ እምነት” እትብል መልእ-ኽቶም፣ ንቤተክርስትያን ኮነ ነኣና ንጓሶት ምእመናን ዝሃቡና ምሕጽንታ፣ ንኵነታት ግዜና ዚርኢ ዘቕረብዎ ምልክታ ነይሩ። “ቤተክርስትያን ብምልእታ ኮነ ኵሎም ጓሶት ልክዕ ከም ክርስቶስ ኮይኖም ነቲ ሕዝቢ ካብ ምድረበዳ መሪሖም ከውጽእዎ፣ ናብ’ቲ ሰፈር ሕይወት ኪመርሕዎ፣ …ናብ’ቲ ምልኣት ሕይወት ዚህብ፡ ናብኡ ከብጽሕዎ ኪብገሱ ኣለዎም” ድሕሪ ምባል፣ ቀጺሎም፡ “ክርስትያን በቲ ንማኅበራዊ ናብራ ንሕንጸተሰባዊ ኮነ ፖለቲካዊ መዳይ ዚርኢ…ሕልፊ ዚግደሱ ኮይኖም ይረኣዩ፣ ብእምነት ብዝመጽአ ግን፣ ንሕይወት ኅብረተሰብ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ትሑዝን ንቡርን ዚግምትዎ ይመስሉ፣ ከም ሓቁ ግን ደጊም እዚ ግምት’ዚ ከም ንቡር ወይ ትሑዝ ኪውሰድ ኣይከኣልን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ብዚበዝሕ “ጕዳይ እምነት” ግልጺ ብግልጺ ዚንጸግ ዘሎ እዩ፣ “ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ንትሕዝቶ እምነትን፣ ካብኡ ንዚፍልፍል ሓሳባትን መደብ ሕይወትን” ዓቢይ ግምት ዚወሃበሉ ግዜ ነይሩ “ሎሚ ግን….ንብዙኃት ሰባት ብዝተንከፎም ዓሚቝን ረቂቕን ፈተና እምነት” መላእ ኅብረተ-ሰብ ኪናወጽ ዚርከበሉ እዋን እዩ።(ኣፍ. እም. ረአ)
 
4.ነዚ ከም’ዚ ዝበለ ነውጺ ኣብ ግምት ብምእታው፣ብእምነትና ክንድልድል እዮም እምበኣር ኣቦና ርእሰ ሊቃነጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ነዚ መደብ ዓመት-እምነት ዝሠርዑልና። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሓዋርያነት ተመሃሪኡን ተኸታሊኡን ንዝነበረ ጢሞቴዎስ፣ “ኣሰር ጽድቅን እምነትን” ኪስዕብ፣ ነዚ ኸኣ በቲ ካብ ሕፃንነቱ ኣትሒዙ ዝነበሮ ጽንዓትን ትብዓትን6 ኪቕጽሎ…..”ከምዝመዓዶ፣ ንሕና ኣብ ኤርትራ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጳጳሳት ድማ ካብ’ቶም ኣኃትን ኣኃውን ምእመናን “ብእምነቱ ዚህከ ንኸይህሉ”7 ከነነቓቕሕ ግቡእና እዩ።
 

5 ብር. እም. 6
6 2ጢሞ.2᎓22
7 ኣፍ. እም.᎓ 15
4
 
 
 
ፍቁራት ኣኃትናን ኣኅዋትናን! እዛ ክንድ’ዚ ዚኣክል ኣገዳስነት ዘለዋ “እምነት ከይትጠፍእ ምእንታኻትኹም ከምዝጸለና”8 እንከነረጋግጸልኩም፡ ኢየሱስ ንጴጥሮስ ኣብ ዝሃቦ ሕድሪ፣ ንኣኅዋቱን ኣኃቱን ኣብ’ታ እምነት’ቲኣ ንኸጽንዖም ዝነገሮ ቃል ነኣና’ውን ከምዝተባህለ ንርዳእ፣ከምኡ’ውን እቲ ንኣዳም “ኣበይ ኣሎኻ?’ (ዘፍጥ.3፡9) እናበለ ንደቅሰብ ዚደሊ ኣምላኽ፣ ኣብ’ዛ መወዳእታ መልእኽቶም ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ከምዝበሉና፣ ነኣና’ውን ”ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?”[(ዘፍጥ.4፡9)(ታሕ. ወን.211)] እናበለ ከምዚሓትት ንፈልጥ። ምእንት’ዚ ብዅሉ መዳያት ሕይወቱ ኣመት ኃውና ንምግባርን፣ “ካብ ምእማን ንዚመጽእ ዓቢይ ታሕጓስ ንምስትምቓርን እምነት ንዚኸፍተልና ሰፊሕ ኣድማስን፣… ነታ እምነት’ቲኣ ድማ ብፍጹም ሓድነታን ምልኣታን ክንገልጻ፣ በቲ ህላዌኡን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን በርቲዕና፣ ኣብ ዝኽሪ ጐይታ እሙናት ኮይንና ንኽንርከብ…”9 ብዚብል ዕላማ ነዚ ንጽሕፈልኩም ኣሎና።

፩ይ ክፍሊ፡ ምዝዛም ዓመት እምነት

እምነት እንታይ እዩ?

5.በዚ ዘኽበርናዮ ዓመት እምነት ተለዓዒልና ናብ ዝተሓደሰ መድረኽ ሕይወት ደዪብና ክንስጕም ስለዝተደልየ እዚ መደብ’ዚ ተኻይዱ። ምእንት’ዚ ዓመት-እምነትተዛዚሙ ማለት፣ ኣብኡ ብዝረኸብናዮ ሓዲስ ኃይሊ ተሓጊዝና ክንጐዓዝ ከምዝተበገስና ዜመልክት ስለዝኾነ፣ እቲ ናይ ሓቂ ዓመት እምነት ወይ ጕዕዞ እምነት ተዛዚሙ ዘይኮነስ፣ ሕጂ’ዩ ተጀሚሩ፡ ዚቕጽል’ውን እዩ።
 
ስለ’ዚ እምበኣር እምነት ንሓደ ሰብ ከመይ ዝበለ ታሕጓስ ከምትህቦ፣ ዚኣምን ሰብ፡ ዚኣምን ሕዝቢ፡ ካብ’ቲ ዘየኣምን ብኸመይ ከም ዚፍለ፣ ኣብ ኣምላኽ ምእማን ኣየናይ ሓለፋ ከምዘለዎ፣ ዘይምእማን ከኣ ከመይ ዝበለ ወጽዓ ምዃኑ ከነስተውዕል ይግባእ።
 
ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘየኣምን ሰብ፣ ዓለም መበቈሉን ምምዕባሉን ኵሉ ኣንፈትን ዕላማን ብዘይብሉ ኣገባብ ዚካየድ እዩ። ናይ ዕድልን ኣጋጣምን እንኪኸውን፣ ኣብ ኣምላኽ ንዚኣምን ግን ዓለም ፍጥረት ኣምላኽ እዩ፣ ናይ ክእለቱን ኣፍቅሮቱን ሕያውነቱን ውጽኢት፣ ነኣና ንደቅሰብ ከኣ ብሓላፍነት ክንነብረሉ ዝተዋህበና ዓቢይ ህያብ እዩ።
 
6.ብዘይካ እምነት፣ እቲ ግፍዕን ሥቓይን ውርደትን ብኸምኡ የሓልፍ፣ሥቓይ ዝወረዶ ሰብ ምስኪን ይበሃል፣ ምስ እምነት ግን ኣምላኽ ናይቶም ግፉዓትን ተሣቐይትን ንብዓት ኪደርዘሎም10 እዩ ቍስሎም ኪዝንነሎም እዩ፣ “ኵሉ ሥጋ ዝለበሰ ከኣ ድኅነት ኣምላኽ ኪርኢ እዩ”(ሉቃ.3፡6)።
 

8 ሉቃ. 22፡32
9 ብር.  እም. 5
10 ራእ.21፡4
5
 
 
 
ብዘይካ እምነት እንተኾይኑ፣ እቲ ዝበለጸ ናይ ሕይወት ሰብ ተመክሮታት ከም ሕያውነት፡ ፍቕሪ፡ ስኒት፡ ምሕዝነት፡ ምሕረት፡ ረድኤት፡ ሠናይነት…ዘበለ ኵሉ፣ ትርጉም ዘይብሉ ሓላፊ ነገራት እዩ፣ ምስ ኣምላኽ ግን ኣብ መፈለምታ ይኹን ኣብ መፈጸምታ ወትሩ እቲ ሠናይን እቲ ፍቕርን ኣሎ። ኵሉ እንፍጽሞ ተግባራት ከኣ፣ እቲ ናይ “እምነትና ፈላምን ፈጻምን”11 ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ የጽንዓልናን የበርትዓልናን።
 
ብዘይካ እምነት እንተደኣ ኮይኑ፣ ሞት ናይ ኵሉ መወዳእታ፣ ንዅሉ ሰብኣዊ ርክባት ዚብጥስ ኮይኑ ኪረአ እዩ። ምስ እምነት ግን ሞት ካብ’ዚ ግዜያዊ ዓለም’ዚ ፈነዋ፣ ናብ’ቲ ምስ ኣምላኽ ዚንበር ሕይወት ድማ መእተዊ፣ ምስ ዝቐደሙና ዘራኽበና፣ መወዳእታ ናብ ዘይብሉ ዘለዓለማዊ ሱታፌ ዘእትወና እዩ።
 
7.ብዘይካ እምነት ኪሕሰብ ከሎ፣ ናብ’ዚ ዓለም’ዚ በጋጣም ብዕድል ከም ዝመጻእና ገቢርካ ኪግመት፣ መወዳእታና ከኣ ከንቱን ኢምንትን፣ ኣብ ኢድ ኃይልታት ጥፍኣትን ኪኸውን ማለት እዩ። ኣብ ኣምላኽ ብዘሎና እምነት ግን ካብ’ቲ ፈጣሪ ሰማያት ምድርን ዝመጻእና ምዃንና ንርዳእ፣ ብኃውና ንግደስ፣ መወዳእታ ከኣ ናብኡ ናብ ቤት ኣቦና ንምለስ፣ እዚ ሕይወት‘ዚ ንግዜኡ’ኳ ብጸገማትን ግድላትን ዝተናወጸ እንተኾነ፣ መወዳእታኡ ግን ናይ ጸጋ ኣምላኽ ውሕስነት ከምዘሎና ንፈልጥ። እቲ “ብኽርስቶስ ዘይመቀረ ዅሉ መሪርን መጺጽን ብምዃኑ” (ቅ. በርናርዶስ) ብእምነት፣ ብፍላይ ድማ “ኣነ መንገድን ሓቅን ሕይወትን እየ”12፣ ኣብ ዝበለ ኽርስቶስ ዚህልወና እምነት፣ ንሕይወት ዜብርህን ዚመርሕን እዩ። እንተዘይኮነ ናብ ጸልማት ምውዳቕ ግዲ እዩ። “እምነትኩም እንተዘይጸንዐ፡ በሓቂ ኣይክትጸንዑን ኢኹም”13።
 
8.እዛ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ እትግለጽ እምነት፣ ንዓለም እትስዕር እምነት’ያ14 ክንብል ከሎና፣ ንዓለም ትንዕቆን ተርሕቖን ማለት ዘይኮነስ፣ ልቡ ከምዚኽፈትን፣ ነቲ ደረታቱ ሰጊሩ ምስ ኣምላኽ ናብ ዚግበር ሱታፌ ብምእታው፣ ምልኣት ሕይወትን ሓጐስን ንኺጭብጥ፡ ንትዕቢትን ተንኰልን ጽልእን ኃጢኣትን ንኸሸንፍ እተኽእሎ ስለ ዝኾነት እዩ። ብእምነት እንተደኣ ኾይኑ፡ ሰብ ኣምሳል ኣምላኽ፣ ውሉድ ኣምላኽ
 

11 ዕብ.12፡2
12 ዮሓ.14፡6
13 ኢሳ.7፡9
14 1ዮሓ.5᎓4
6
 
 
 
ምዃኑ ዚርደኣሉ፣ ሰባት ኣብ ትሕቲ ሓደ ኣቦ ኮይኖም፣ ብፍቕሪ ሓድሕድ ኪነብሩ፣ ናይ ኃዎምን ኃውቶምን ሃለዋት ደሃይ ኪገብሩ ከም ዚግበኦም ዘመልክት እዩ። ምኽንያቱ እቲ …“ንሰብ ዘይመውት ገይሩ እዩ ዝፈጠሮ፣ እወ ብመልክዑ ዘለዓለማዊ ገይሩ ዝፈጠሮ” 15 እግዚኣብሔር፣ ወትሩ “ኣበይ ኣሎ ኃውኻ?” እናበለ ምሕታት ኣየቋርጽን እዩ።
 
“…ወድሰብ ብቐጻሊ ኣብ ትሕቲ መንፈስ ኣምላኽ ብምዃኑ፡ ንሕቶ እምነት ፈጺሙ ሸለል ኪብሎ ኣይክእልን፣ ናይ ዝሓለፈ ኣዝማናት ተመክሮን ትዕዝብትን ኮነ፡ ናይዚ ዘሎናዮ እዋን ዝተፈላለየ ምልክታት ነዚ እዩ ዜረጋግጸልና። ወትሩ ከኣ ወድሰብ፡ናይ ሕይወቱን ስራሓቱን ሞቱን፡ትርጕምን ምሥጢርን ንምፍላጥ፣ብዘይንጹር ኣገባብ’ውን ይኹን ኪርዳእ ምስተመነየ እዩ…”16። ንኽርስቶስ ምፍላጥን ዘይምፍላጥን ከመይ ዝበለ ፍልልይ ከምዘለዎ፣ ምስኡ ክትጐዓዝ ምኽኣልን፣ ብዕዉር ኣገባብ ምክያድን በበይኑእዩ፣ንቓሉ ምስማዕ…ምስኢየሱስ እንተኾይኑ፣ ሕይወትብመንፈስ ዝሃብተመት ትኸውን፣ ኣብ ኵሉ ኸኣ ትርጕም ምርካብ ይከኣል…”17።
 
9.ቤተክርስትያን ንምድራውን ግዜያውን ሃለዋት ደቂሰብ ብወንጌል ከተብርሆ ግቡኣ ስለዝኾነ፣18 “ሎሚ ናይ ዘለዉ ኵሎም ሰባት ሓጎሶምን ተስፋኦምን፡ ሓዘኖምን ጓሂኦምን፡ እዚ ኵሉ ናይ ቤተክርስትያን ሓጎስን ተስፋን ሓዘንን ጓህን’ውን…” ብምዃኑ “ብርሃን እምነት ከኣ ንሥቓያት’ዚ ዓለም’ዚ ከምንርስዕ ዚገብር” ዘይኮነስ፣ እምነት “ኣብ እንገብሮ ስጕምትና ዚመርሓና፣ ንጕዕዞና ዚበቅዕ መብራህቲ” እዩ። እቲ “ናይ እምነትና ጀማርን ፈጻምን ባዕሉ”19 ብምዃኑ፣ ብብርሃኑ ምእንቲ ክንርኢ ክርስቶስ ኣብ’ቲ ጠመተኡ ከሳትፈና’ ኢሉ20፣“ኣዳም ኣበይ ኣሎኻ?”(ዘፍጥ.3፡9) እናበለ ደለየና። ስለ’ዚ በዚ “ንዕለታዊ ሕይወትና ሓዲሽ ኃይልን ብርታዐን ዚህብ21 እምነት ተመሪሕና ንኵነታትናን ኵነት ሓውናን ክንግምግም ግቡእ እዩ።
 
ነዚ ንምግባር “ዚደፍኣና ዘሎ ምድራዊ ወይ ሓላፊ ነገር ንምዕታር ወይ ክብርን ዝናን ተመኒና ወይ ድማ ንኻልእ ናብ ወገንና ንምስሓብ ዘይኮነስ ናይ ኣገልግሎት ባህጊ ጥራሕ’ዩ።22 ምእንት’ዚ ኣብ’ዚ እንገብሮ ገምጋም ህልው ኵነታትና፣ እምነትና ዓቢይ ሓገዝ የበርክተልና። ምኽንያቱ “ ቅኑዕን ብቑዕን እምነት ዚበሃል፣ናይ ውልቂ
 

15ጥበ. ሰሎ.2᎓23
16ፍሥ. ተስ. 41 (ጉባ. ቫቲ. 2ይ)
17ታሕ. ወን. 266
18ሓዋ. ተል. ምእ.  5  ረአ (ጉባ. ቫቲ. 2ይ)
19ዕብ 12፡2
20ብር. እም. 57 ረአ
21ብር. እም. 57 ረአ
22ሰላምን ምዕብልናን …  1991
7
 
 
 
ጕዳይ ዘይኮነስ፣ ንዓለም ንምልዋጥ ዓሚቝ ባህጊ ዘለዎ፣ ሓቅን ቁምነገራዊ ክብርታትን ንምትሕልላፍ ዚብገስ፣ ካብ’ዚ ዓለም’ዚ ክንሓልፍ ከሎና ድማ፣ ነዛ ዓለም ክንረኽባ ከሎና ካብ ዝነበረቶ ዝሓሸትን፡ ዝበለጸትን ገቢርና ንኽንሓድጋ…
 
ዚሕግዘና እዩ።”(ታሕ. ወን. 183)
 
10. ብብርሃን እምነት ምርኣይ፣ ነቲ “ብኢየሱስ ኣቢሉ ዝመጽአ ዓቢይ ህያብ”23 ምቕባል ማለት እዩ። “…እዚ ናይ ኣምላኽ ህያብ-እምነት ኣባና ዝወረደ መልዕልተ-ባሕርያዊ መንፈሳዊ ኃይሊ ስለዝኾነ፣ ኣብኡን በኣኡን ዓቢይ ፍቕሪ ከምዝተወፈየልና ዘበሥር ጥዑም ቃል ከም ዝተነግረና፣ነቲ ቓል’ቲ ነቲ ሥጋ ዝለበሰ (ሰብ ዝኾነ)ቃል-ኣምላኽ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንቅበል ከሎና፣ መንፈስ ቅዱስ ብኡብኡ ይልውጠና የሓድሰና፣ ንመጻኢ ገጽና ኣብ እንኸዶ መንገዲና የብረሃልና፤ ብናይ ተስፋ ክንፊ ተሓጊዝና፣ በቲ መንገድ’ቲ ኣቢልና፣ ብታሕጓስ ከነንሳፍፍ የኽእለና። ምእንት’ዚ ከኣ እዘን ብዘደንቕ ኣገባብ ሓድሕድ ዝተጠናነጋ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ሠሚረን፣….ንሕይወትና ደራኺ ኃይሊ ይኾንኦ…”24፣ እነሆ’ምበኣር ሕጂ “….እዚ እምነት ዜርሕወልናን፣ ኣብ ቅድሜና ዚሰጥሓልናን መንገዲ ከመይ ዝበለ መንገዲ…”25 ከምዝኾነ ክንግምግም ግዲ ይኾነና።
 
11.“… ሎሚ’ውን ከም ቀደም፣ ንልቢ ወድሰብ ብዕምቈት ዘናውጾ፣ ናይ ሃለዋት ሰብ ዓሚቝን ረቂቕን ምሥጢር ምላሽ ንምርካብ፣ ሰባት ናብ ዝተፈላለየ መደብ ሃይማ ኖት ይዝንብሉ…፦ ሰብ እንታይ እዩ? ናይ ሕይወቱ ዕላማን ትርጕምን፣ ጽቡቕ ወይ ሠናይ ዚበሃልከ ከመይ ዝበለ እዩ? ኃጢኣት እንታይ እዩ? ሓዘንን ጓህንከ ካበይ እዩ ምንጩ? ዕላማኡኸ? ናብ’ቲ ሓቀይና ታሕጓስ ዚወስድ መንገዲ ኣበይ እዩ ዘሎ? ብዛዕባ ሞት/ፍርዲ፣ክንየው ሞት ብዛዕባ ዘሎ ዓስቢ ተግባራትካ ብዚርኢኸ እቲ ሓቁ ኣየናይ እዩ? ንህላዌና ከቢብዎ ዚርከብ እቲ ዝዓበየን፡ ብቓል ዘይግለጽን ምሥጢር እንታይ እዩ? እዚ ጕዕዞናኸ ካበይ ተበጊሱ፣ ናበይ ገጹ እዩኸ ዚመርሓና?…”።26 “…በዚ እዋናት’ዚ ይረአ ብዘሎ ኵነታት ከምዚረጋገጽ፣ ወድሰብ ብዘይካ ናይ ኣምላኽ ሓገዝን፣ ብዘይካ ተስፋ ዘለዓለማዊ ሕይወትን ኪተርፍ ከሎ ኣዝዩ ይጕዳእ፣ እቲ ንሰብ ኣብ ቅብጸት ተስፋ ከውድቖ ዚኽእል ናይ ሕይወትን ሞትን፡ ናይ ክፍኣትን ሥቓይን ግድላት ብድብድቡ ብዘይ ምላሽ ይተርፍ”27። እዚ ከኣ ዝዓበየ ወጽዓ እዩ።
 

23ብር. እም. 1
24ብር. እም. 7
25ብር. እም. 7
26ዘሎናዮ እዋን፡ 1
27ፍሥ.ተስ. 21  (ጉባ. ቫቲ. 2ይ)
8
 
 
 

፪ይ ክፍሊ፡ ህልው ኵነትና

በረኸት ኣምላኽ

 
12. ካብ ናይ ዝሓለፈ ተበጊስና ክንርእዮ ከሎና፣ ከነመስግነሉ ዚግበኣና ብዙሕ በረኸት ኣምላኽ ከም ዝተቐበልና ክንዝክር ግቡእ እዩ። ንሃገርና ክንርኢ ከሎና፣ መሊኡ ዚፈስስ ባሕርያዊ ሃብቲ’ኳ እንተዘይብላ፣ ኣብ ካልእ ዓለም ንዘጋጥም ገሊኡ ባሕርያዊ ሓደጋታት ርኢኻስ፣ ብህዱእን ሰላማውን ኵነታት ኣየርን ንብረትን ስለዝባረኸና፣ ፈሪሓ-እግዚኣብሔር ዝሓደሮ፣ ምስ ዝኸምኡ ሰብ ብሰላም ዚሓድር ሰላማዊ ሕዝቢ ስለዝሃበና፣ ብዓሌትን ወገን ሃይማኖትን ከይተጠማመተ ዚነባበር፣ ነቲ ብዝሓትን ዓይነትን ከም በረኸት ጠሚቱ ዚከባበር፣ ነቲ ብሩህ መጻኢኡ ብህድኣትን ርግኣትን ዘማዕዱ፣ ኣብ ሰላም ዚኣምንን ሕዝቢ ስለ ዝገበረና፣ ንኣምላኽና ከነመስግኖ ይግባእ።
 
ምኽንያቱ ከኣ ናይ’ዚ ኵሉ መሠረት ወይ ምንጩ፣ እቲ ናይ ሕዝብና ነዊሕ ሠረት ዘለዎ እምነት እዩ። እዚ እምነት’ዚ እዩ ምስ ዝኸምኡ ሰብን፣ ምስ ኣምላኽን ምስ ርእሱን ብስኒት ንኺነብር ዘኽኣሎን፡ ሎሚ’ውን ዘኽእሎ ዘሎን። “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?”(ዘፍጥ.4፡9) ዚብል ሕቶ ዝኸበዶ ኅሊና ሕዝብና፣ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፣ ኣብ ናይ ብጻዩን ሓዉን ሓዘንን ሓጎስን፣ ሕሱምን ጥዑምን ብምስታፍ፡ኪምልሸሉ ደኣ ተረኽበ እምበር “ኣይፈልጥን! ኣነዶሓላው ሓወይ እየ?” (ዘፍጥ.4፡9) ኪብል ኣይመለሸን። እዚ ከም’ዚ ዝበለ ዓቢይ ናይ እምነት ቍምነገር ከይጠፍእ፣ እምነት ሕዝብና ክትዓቢ፣ ኦጐይታ! እምነት ወስኸና! እናበልና ክንጽሊ ግቡእ እዩ።
 
ንቕድሚት ንምስጓም ዚሕግዝ በብዓይነቱ ናይ ሕንጸት መደባትን ገለ ጻዕርታትን’ኳ እንተተፈተነ፣ ሕይወት ወትሩ ንቕድሚት ክትስጕም ክትመጣጠር ባሕርያዊ ስለዝኾነ፣ጋና ነቲ ዘይበጻሕናዮ ከነማዕዱ፣ ከምኡ’ውን ዘይሓወየ ቍስልታት ከምዘሎ ኪሕበኣና ስለ ዘይከኣል፣ በቲ ኣወንታዊ ጥራሕ ተዓሻሺና፣ ነቲ ኣሉታዊ ሸለል ክንብሎ ኣይንኽእልን። እዚ ኸኣ ንዝተፈላለየ ወገናት ሕይወትና ዚርኢ፣ ንስነ-ልቦናውን ውሽጣውን ስምዒትና ዚትንክፍ፣ ንማኅበራዊ ሲቪላዊ ናብራና፣ ንግዙፍ መነባብሮን፡ መንፈሳውን ሞራላውን ወገናት ሕይወትና ዚሓቍፍ እዩ። “ምእመናን ማኅበረ ክርስትናኦም ንትርከቡሉ ሃለዋትን ናይ ሃገሮም ኵነታትን፣ ብቅንዕና ምትንታንን ምፍታሽን ግቡኦም እዩ”።(ታሕ. ወን. 184)
 
9
 
 
 

ኅልቀት ባሕሪ

13. “ኣብ ራማ ድምጽን ብዙሕ ዋይዋይታን ብኽያትን ተሰምዐ፣ ራሔል ምእንቲ ደቃ በኸየት፣ ሞይቶም እዮም’ሞ ምጽንናዕ ኣበየት”28። ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት መስከረም/ ጥቅምቲ፣ ኣብ’ቲ ፍረ ኽራማት ዚሕፈሰሉን፣ ሕይወት ዚሕደሰሉን፣ ናይ ግእዛዊ ሓዲስ ዓመትና ተስፋ ዚንቀሳቐሰሉ ወርሓት፣ ካብ ሃገርና ሓሊፉ ንኅሊና መላእ ዓለም ዝቐስቀስ፣ ኣብ ባሕሪ መዲተራንያን ብዝተፈጸመ ናይ መእንሰያትና ሕልፈት ወይ ኅልቀት፣ ንሕዝብና ኣብ ስንባደን ራዕድን ዘጥሓሎ እዩ። እዚ ፍጻሜ’ዚ ከኣ ናይ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣብ ፈቖዶ ሩባን ኵርባን፡ ኣብ ፈቖዶ ባሕርን ምድረበዳን፡ ብኢድ ገፋዕትን ጨወይትን ኪፍጸም ናይ ዝጸንሐ ተመሳሳሊ ኅልቀት መቐጸልታኡ እዩ። ስለ’ዚ ንቐዳሞትን ንዳሕረዎትን ክንሓስቦም ግዲ እዩ።
 
ኣብ ገገዝኡ ብሕቱ ዘይኮነስ መላእ ሕዝቢ ኪበኽየሎም ተረኺቡ።”…ምሉእ ለይቲ ክትበኪ ተሓድር ኣላ፣ንብዓታ ብምዕጕርታ ጀረው! ይብል ኣሎ …ኣዋልዳ ይጕህያ ኣለዋ፡ ካህናታ ድማ ይትክዙ ኣለዉ”29። ምኽንያቱ እቶም ጥዑም ኪረኽቡ ዝሓሰቡ፡ ኣብ ቕሥፈትን ጥፍኣትን እዮም ዝወደቑ፣ እዚ ዝተጠቕሰ ቃል መጽሓፍ፣ ብዘመን ኤርሚያስ ነቢይ ንዝተፈጸመ ኣመልኪቱ ብሉይ ኪዳን ዘመሓላለፎ፣ ኣብ ሓዲስ ኪዳን’ውን ማቴዎስ ወንጌላዊ ዳግማይ የቕርበልና።
 
እቲ ናይ ብሉይ ነቲ ብ587 ቅ.ክ. ኣብ ኢየሩሳሌምን ከባቢኣን ንዝተፈጸመ የዘኻኽረና፣ ባቢሎናውያን ወረርቲ ነቲ ሕዝቢ ካብ ኢየሩሳሌም ውጽእ ዝበለ፣ራማ ናብ ዚበሃል ጐልጐል (ሎሚ ራማላህ) ኣውጺኦም፣ ንኸተማ ኢየሩሳሌም ብሓዊ ኣቃጸልዋ። ድሕሪኡ ንደቂ ኢየሩሳሌም ንባቢሎን ማሪኾም ወሰድዎም፣ ስለ’ዚ ካብ ሕጂ ንደሓር “የለዉን”። በዚ ግዜ’ዚ እታ ንሕዝብን ንኣዴታትን እስራኤል እትውክል፣ ኣደ ሕዝቢ እስራኤል ዝኾነት ራሔል ከም ዝበኸየት ገይሩ የቕርቦ። ንሃገር ምሉእ ንሕዝቢ ምሉእ ኣብ ሓዘን ዝሸመመ ምንባሩ እንከዘኻኽር ግን እቲ ነቢይ ነቲ ናይ ተስፋን ምምላስን ሓሳብ ፈጺሙ ረሲዑዎ ኣይኮነን።
 
14. ወንጌላዊ ማቴዎስ ድማ፡ ነቲ ኣብ ቤተልሔም ዝነበረ መቓብር ራሔል ብምዝካር፣ ኣብ ቤተልሔምን ከባቢኣን ምስ’ቲ ብሄሮድስ ዝተፈጸመ ቅትለት ሕፃናት የተሓሕዞ። “ሞይቶም እዮም’ሞ” ብምባል እቲ ናይ ራሔል (ብስም ኵለን ኣዴታት) ዘይምእባድ ምኽንያቱ ይገልጽ፣ እቲ ብኽያት ኣውያት ናብ እግዚኣብሔር ዚዓርግ፣ ንሱ ጥራሕ’ዩ ዜጸናንዕ ዚድብስ፣ እዚ’ውን ብቓላት ብሕቱ ዘይኮነስ ብተስፋ ትንሣኤን፡ ንሙታን ብምትንሣእን ዚድበስ እዩ። እቲ “ሞይቶም እዮም እሞ የለዉን” ዝተባህለ ቃሉ ተለዊጡ፣ እቲ ብኽያትን እህህታን ከኣ ደው ዚብል፣ እቲ ዝወረደ በደል ብትንሣኤ ኪእረም እንከሎ እዩ።

28ማቴ. 2፡ 17-18 (ኤር.31፡15)
29ድጕ. ኤር. 1፡24
 
10
 
 
 
እዚ ከም’ዚ ዝበለ ፍጻሜ ማለት፣ ናይ ባሕሪ ኅልቀትን፡ ናይ ምድረበዳ ሕልፈትን፡ ናይ ጨወይቲ ግፍዕታትን፣ ኣብ’ዚ ሥልጡን እዋን ፣ እሞ ኣብ ኣፍደገ’ቲ ሥልጡን ዚበሃል ዓለም ዝተፈጸመ ምዃኑ በሓቂ “ዜሕንኽ ተቐባልነት ዘይብሉ፣ ምስ’ቲ ወድሰብ በጺሕዎ ዘሎ ናይ ምዕባሌን ሥልጣኔን ደረጃ ዘይኸይድ” ኪብሉ ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ኣቡነ ፍራንቸስኮስ ብተሪር ቃላት ገሊጾምዎ።
 
ምስ ራሔል ኣደ ኵሎም፣ ምስ ኵለን ኣዴታት ሓቢርና ናብ ኣምላኽ ንብዓትናን ጸሎትናን ነዕርግ። እታ ኣብ’ዚ ምድር’ዚ ዘይረኸብዋ ርግኣት፣ ነኣኣ ኪረኽቡ ኪብሉ ከኣ ብሓደጋ ዝተረኽቡ ደቅና፣ ነታ ሃሰስ ዝበልዋ ቅሳነት ኣብ ሕፅኒ ኣምላኽ ኪረኽብዋ፣ ማንም ብዘይወስደሎም ኣገባብ ከኣ ምስኡ ኮይኖም ከም ዘስተማቕርዋ ብምእማን እንክንጽሊ፣ ንዅሎም’ቶም ምስ ናፍቖቶም ከለዉ፡ ኪረኽብዎምን ብኣካል ደው ኢሎም ኪቐብርዎምን ኪቐብጽዎምን ዘይከኣሉ ወለዶምን ሰቦምን ንእዮብ ዝደበሰ ይደብስኩም! ጽንዓት የሃብኩም ንብል ።

ዋሕዚ ስደት

15. ነኣኣቶም ኣብ ሕፅኒ ኣምላኽ ከነማዕቍቦም ከሎና፣ ኣምላኽ ከኣ ናባና ምልስ ኢሉ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?30 ሓውትኻ ኣበይ ኣላ? ውላድካ ውሉደኩም ኣበይ ኣለዉ?ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ይርከቡ ኣለዉ?…” እናበለ፡ ካብ ሓያሎ ዓመታት እናናሳዕ ይረአ ንዘሎ ኅልቀትን ሕልፈትን ደቅና፣ ነገር ዕላልን ወረን ጥራሕ ንዝገበርናዮ ነኣና፣ ዘየቕስንን ዘየደቅስን ሕቶ የሓተና ኣሎ።(ታሕ.ወን. 211) መን’ዩ ዚሕተተሉ? ኪበሃል ከሎ፣ ኣብ ጭብጢ ምስ መጻእካ፣ ሓቂ ክትዛረብ ምስጀመርካ፣ ብርግጽ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ዚበሃል ኣይሰኣንን ይኸውን። ብዓቢኡን ብሓፈሻኡን ግን ሰረቱ ነዊሕን ሰፊሕን ንዅሉ ዚትንክፍን እዩ። እዚ ሕቶ’ዚ ተመጢጡ፣ ሃገርናኸ ብዓባያ ኣበይ ኣላ? ኣብ ከመይ ዝበለ ሃለዋት ትርከብ?….ናብ ዚብል ከብጽሕ ግዲ እዩ። “ሓላው ሓወይ ድየ?” ብምባል፡ ከነምልጠሉ ዘይከኣል ሕቶ እዩ።
 
  • ኣብ ወጻኢ ሃገራት ካብ ዚነብሩ ስዱዳን ብዝተረኽበ ረብሓን ጠቕምን ዝሰድዑን ዝሰስዑን ወለዲ፣ነኣብነት’ኳ ካብ’ቲ ብዙሕ፡ ብዘይተጸንዐን ብዝተሰንዐን መርዓ ንደቆም ካብ ወጻኢ ንዝመጽኡ ምሃብ፣
  • ዝዓበዩ ዝነኣሱ፣ ወጻኢ እንተኸድኩ ጥራሕ’ዩ ዚሓልፈለይ ዚብል ዕዉር ኣረኣእያ ብምምዕባል፣ ወይ ከኣ ኣብ ወጻኢ ብኾፍካ ዚሕግዙ የኣዪ ኣለዉ….ምባል፣
  • ናይ መነባብሮ ለውጥን ምምሕያሽን፣ ኣብ’ዚ ኣብ ዓድና ኪመጽእ ክንዲ ንጽዕር፣ ኣብ ካልእ ከይድና ክንረኽቦ ዚብል ሓሳብ ዳርጋ ልሙድ ኮይኑ፣
 

30 ዘፍጥ. 4፡9
 
11
 
 
 
  • ጥጡሕ መነባብሮን ሕይወትን ንምድላይ ዚግበር ጕዕዞ፣ ክሳብ መኣስ ኪቕጽል እዩ? እቲ ዘገርም ነዚ ብዘይሕጋዊ ኣገባብን፡ እሞ ብኽንደይ ገንዘብን ዚፍጸም ጕዕዞ፡ ንምዕጋት ዚግበር መቕጻዕትን ማዕዳታትን፣ ነቶም ዘንቀዱ ሓሳባቶም ከለውጥ ዘይምኽኣሉስ ስለምንታይ እዩ? እቲ ዝተፈተነ ካብ ዘይሰርሐኸ ካልእ ኣገባብ ኪመሃዝ ኣይምተኻእለን ድዩ?
  • “ጸጊበን ካብ ዚዕንድራ ኣብታይስ፣ ካልኦት ዓንዲረን ኢለን ዚዕንድራ ይበዝሓ” ከም ዚበሃል፣እዋኑ ዘማዕበሎ፡ “ይኽየድ” ኢልካ ዚግበር’ኳ እንተሎ፣ ብፍላይ ንመንእሰይን ኵነታቱን ክንጥምት ከሎና ግን፣ መጻኢኡ ዘማዕድወሉ፡ መደባት ሕይወቱ ዚገብረሉ፡”… ካብ’ዚ ተበጊሰ፡ኣብ’ቲ ክበጽሕ’የ…” ዚብል ሃንቀውታ ዘይርእየሉ ኵነታት፣ ”… እዚ ዘለኹዎ ኵነት ጽንሕ ኢሉ ከብቅዕ እዩ’ሞ፡ ክንየዉ ዝጥምቶን ዝጭብጦን ኣሎኒ፣… “ ኪብል ዘይምኽኣሉ ዓቢይ ጸገም ፈጢሩ ኣሎ።
  • “ኣይሰላም ኣይኲናት”  ዝኾነ ኵነትና ዲዩ ነዚ ኵሉ ፈጢሩ?  ዚብል ሕቶ’ኳ
 
ዘልዕል እንተኾነ፣ ነዚ ኵነትዚ ንምልዋጥከ ድልየት ወይ ዓቕሚ የልቦን ማለት ድዩ? ንሕዝብን ንሃገርን ንዚጐድእ ኵነት ንምልዋጥከ እንታይስ እንታይ ኪግበር ዘይምተኻእለ? ፈውስኻ ካብ ርእስኻ ስለዝኾነ፣ ኅብረተሰብ ዓለም’ኳ ግቡኡ እንተዘይፈጸመ፣ እቲ ግዳይ ዝኾነ ወገን ግን ተባላሒቱ ግድሉ ንምፍታሕኪጽዕር፣ ረብሓኡ ዚጠልቦእዩ።እንትርፊንዓመጽትን ንጨወይትን፣ ንሕዝብን ንሃገርን ካብ ዘየርብሕ፣ ካብ ከም’ዚ ዝበለ፡ ኣይሰላም ኣይኵናት ዝኾነ ሃለዋት ከምዚውጻእ ኪግበር ኣለዎ።
 
እዚ ስለዘይተለወጠ ከኣ፡ ህልው መነባብሮ ዘይጽወር ኮይንዎ፣ በቲ ኣብ ስግር-ማዕዶ ዘሎ ንብረትን፣ ዘይረኣዮ ሕይወትን ተሳሒቡ፡ እቲ ደላይ ለውጢ መንእሰይ ዚገብሮ ዘሎ ጕዕዞ፣ ኪጅምር ከሎ ብሕጋዊ መንገድን ኣገባብን ዝነበረ፡ ሕጂ ግን ኣንፈቱ ለዊጡ፣ ግዳይ ባሕርታትን በረኻታትን ኣራዊትን ግዳይ ኣረመናዊ መሸጣን…
 
ክሳብ ምዃን፣ ኣዝዩ ኣብ ዘተሓሳስብ ደረጃ ተበጺሑ ኣሎ።
 
16. ኣብ ጸምጸም በረኻ ኣራዊት ንሰብ ኪጻባእስ ንቡር እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ግን፣ ካብ ከም’ዚ ዝበለ ሃለዋት ስደት ዝማዕበለ፣ ንሰባት ጨዊኻ ብዘይተኣደነ ገንዘብ እትህብትመሉ፣ ዝገደደ ከኣ ሰብ ንሰብ ኣራዊት ዝኾነሉ፣ ነቲ በምሳል ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ፣ ክብሩን መሰሉን ንዘለዎ ከናቲፍከ ጠቢሕካ ጐዛዚኻ ናብ “ዕዳጋ ሓራዥ” ምውራድ… ይፍጸም ኣሎ። ኣብ ታሪኽ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ፣ ዘመነ ባርነትን ሕጊ-ኣራዊትን ኣብ’ዚ ስልጡን ዓለም ተመሊሱ ዝኣተወሉ ኵነታት ክትርኢ ከሎኻ፣ ናይ’ቶም ፈጸምቱ ሕሊናን ኣተናን’ኳ እንተደንዘዘ፣ እቲ ነዚ እናረኣየ ዚርከብ ዓለምከ ከመይስ ከመይ ኢሉ ተጻዊርዎ ኣሎ?? ንምቅዋሙ ንምውጋዱ’ውን ዘይምጕያዩ፣ ኣውራ ከኣ እዚ ነውራምን ኣራዊታውን ተግባር ናይ ዚፍጸመሉ ቦታን፣ ናይ ዚፍጽሙ ሰባትን፣ ናይቶም ኣብ ልዕሊኦም ዚፍጸም ግዳያትን…መንግሥታትን መራሕትን፣
 
12
 
 
 
ምድሪ ዘቢጦም ነዚ ግፍዕ’ዚ ንኸወግዱ እንታይ ዘይምገበሩ!! እዚ ዘስካሕክሕ ተግባር’ዚ ዘይተዓግተስ ድልየት ድዩ ማህሚኑ? ዓቕሚ ድዩ ደኺሙ? ወይ ከኣ ዝተገብረ ጻዕሪ እንተሎ፣ ጻማ ድዩ ተሳኢኑ? ወይስ መን’ዩ ረቢሑሉ? እንታይ ኢና ክንብል? ብዓቢኡ’ኳ ካብ ፍርዲ ኣምላኽ ዘየምልጥ እንተኾነ፣ ታሪኽን ግዜን ግን ከግህዶን ኪፈርዶን ዘለዎ እዩ።
 
ነዚ ከም’ዚ ዝበለ ሃለዋት ንምቕያር፡ ሓያልን ዝተዋሃሃደን ጻዕሪ፣ ማለት ናይ ኣተሓሳስባ ለውጥን፣ ግብራዊ ናይ ስራሕን ማኅበራዊ ኵነታትን መሠረታዊ ሕዳሴ ከም ዘድሊ ምልክታን መጠንቀቕታን ካብ ዚህብ ኣይወሓደን። ብመዳይ ሕጋውን ፖሊቲካውን ኣገባብ’ውን ነዚ ጕዳይዚ ኣብ ግምት ዘእተወ መሠረታዊ ሕቶን ጠለብን ክትጥምት ዚግድደካ እዩ፣ ነዚ ሸለል ምባል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ዜሕትት ምዃኑ ምዝካር ኣድላዪ እዩ። “ከመይ ነፍስወከፍና ነቲ ብሥጋዊ ሕይወቱ ከሎ ዝገበሮ ሠናይ ኮነ እከይ ምእንቲ ኪቕበል፣ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ክንቀርብ ኢና” (2ቆሮ.5፡10)።
 
“…መሥርዕ ሓቅን ቍምነገራትን ተዘናቢሉ፡ ሕማቕን ጽቡቕን፡ ክፉእን ድሙዕን ምስ ተደባለቐ፡ ጕጅለታትን ውልቀሰባትን ረብሓኦም ጥራሕ ደኣ’ምበር፣ ናይ ካልኦት ሰባት ግዴታ ዘይብሎም ይኾኑ፣ በዚ ከኣ ወዮ ዓለምና ናይ’ቲ ሓቀይና ሕውነትን ስኒትን ቦታን ባይታን ምዃኑ የቋርጽ። በዚ ዘሎናዮ ዘመን’ምበኣር እቲ ዝተጋነነን ዘይመልክዑ ዝሓዘን ሓይሊ ወድሰብ ንዓሌትሰብ ብቐንዱ ንምጥፋእ ጠንቂ ዝኾነሉ ኵነታት ንርኢ ኣሎና…”31።

ግዙፍ መዳይ ሕይወትና

17. ሕዝብና ብዙሕ ቍስልታት ጸዊሩ ይካየድ ከምዘሎ ብቐሊሉ እነስተውዕሎ ዘሎና እዩ። ድኽነትን፣ ከም ኤችኣይቪ ኤይድስን ዝበለ ሕማማት ብዘምጸኦ ጸገማት፣ ስደትን ምስኡ ዝተተሓሓዘ ነገራትን ኵሉ ንገሊኡ ወገን ናብ ሞት፣ ንህልዋት ናብ ሥቓይ ዝሸመመ እዩ፤ ንዝሞቱ መንግሥተ-ሰማያት የዋርሶም ክንብል ከሎና፣ ብመንፈስ ሓድነትን ኅብረትን፡ ነቶም ግዳያት፡ነቶም ዝሓለፉን ዝተረፉን እናሓሰብና፣ ብርታዐን ምጽንናዕን ኪረኽቡ ንምህለል።
 
መሬትና ቀጺሉ ናብ ምድረበዳነት እናተለወጠ፣ ፈርያምነቱን ሃብቱን እናተባ ሕጐጐ ንነበርቱ ዘይዕንግል ይኸውን ኣሎ። ነዚ ንምሕዋይ ወይ’ውን ንምዕቃብ ዚግበር ንጥፈታት ኪድልድል፣ ብደረጃ ሕዝቢ’ውን ነዚ ብዚርኢ ሰፊሕ ጐስጓስ ኪግበርን፣ ዚግባእ ንቕሓት ኪጭበጥን የድሊ። ምኽንያቱ ድማ ኣምላኽ “ሓለውቲ፣

31 ፍሥ. ተስ. 37  (ጉባ. ቫቲ. 2ይ)

13
 
 
 
ተፈጥሮን፡ ሓለውቲ ሓውናን ክንከውን እዩ ጸዊዑና”፣(ኣቡነ ፍራንቸስኮስ) ዝሓሎናዮ ሓውናን ተፈጥሮን፣ ተመሊሱ ኪሕልወና እዩ።
 
ብበርቂ ንዝሞተ ብሓዊ ደብሶ ከምዝተባህለ ከኣ፣ ሃገርና መሬት ጥራሕ ኣይኮነን ዚጠልማ ዘሎ፡ እቲ ዝዓበየ ጸገም ናይ ሰባት ዋሕዚ ንወጻኢ እዩ።
 
•መንእሰይ ተማሂሮም ወይስ ንኪመሃሩ ናብ ካልእ ሃገራት ይጐዓዙ፡ስለ’ዚ ናይ ምሁርን ንኡስን ወለዶ ምንጪ ናብ ካልእ ይጽንቀቕ፣ይደርቕ’ዩ ዘሎ።
 
•ሕፃናት ንዝሓለፉ ወለዶም ከርክቡ፡ከምኡ ዝሓሸ ዕድል ኣለዎ ናብ ዝተባህለ ወገን ገጾም (ምስ ኣዴታቶም) ይውሕዙ፣
 
•ዓበይቲ ወለዲ’ውን ኣብ ስደት ንዚነብሩ ደቆምን ደቂደቆምን ንምርኣይ ኣብ ዚገብርዎ መገሻ፣ ናይቲ ዝገሹሉ ዓዲ ወረቐት ይሕዙ፣ ኣይምለሱን። ስለ’ዚ ሃገር ናይ ሰባት ድኻ ትኸውን ከምዘላ ብግልጺ ዚረአ ዘሎ ኵሉ፣ ኣብ ዝኾነማኅበራዊ ጕዳይ ከም እንዕዘቦ፣ እቲ መንእሰይ ወለዶ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ እቲ ማእከላይ ወለዶ ዚበሃል’ውን ዳርጋ የሎን፣ ንኡስ ወለዶን ሓይልን ዘይብላ ሃገር እንታይ እዩ እቲ ዕድላ? ሃገር ብሕዝባ ብሰባ እያ እትደምቕን እትጽብቕን እምበር፣ ብዘይሰብ ዓዲ ዓዲ ኣይከውንን፡ ሃገር ከኣ ሃገር ኣይትኸውንን።
 
18. እዚ ዘብለና ዘሎ ድማ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይፍጸም ዘሎ፣ ናይ ሰባት ቀጻሊ ዋሕድን ዋሕዝን ብሕቱ ዘይኮነስ ንጽባሕ ከጋጥም ዘለዎ ጻንታ እዩ እቲ ዚረኣየናን ዘፍረሓናን ዘሎ። ሓደ ስደተይና ኣብ ዝኸደ ኸይዱ፡ናይ ሃገሩ ናፍቖትን ዝኽርን ብርግጽ የሰንዮ ይኸውን፣ ኣብ ታሪኽ ከም ንርእዮ ግን፡ ንዓዶም ተመሊሶም ዝተባህሉ ስደተይናታት ብኣጻብዕ ዚቝጸሩ እዮም። እዚ ናይ ሕጂ ንኡስን ማእከላይን ዝበልናዮ ወለዶ ጥራሕ ኣይኮነን ዚጠፍእ ዘሎ፡ እቲ ኪትከኦ ዝነበሮ፡ ማለት እቶም ብሕፃናቶም ዝኸዱን፡ ኣብ ዓዲ ስደት ዚውለዱን ደቆም ኵሎም፣ ሃገር ዝኸሰረቶ ወለዶ ከይከውን ዘየፍርሕ ኣይኮነን።
 
“ካብ ምላድ ምልማድ” ስለዝኾነ፣ እዞም ዝጠቐስናዮም ደቆምን ደቂደቆምን፣ ናይ’ቲ ዝዓበዩሉን ዝረብሑሉን ሃገርን ባህልን ብርቱዕ ጽልዋ ስለዘለዎም፣ ናይ ሃገሮምን ሕዝቦምን ስምዒትን ስሕበትን ንኺሓድሮም ብዕቱብ እንተ ዘይተጻዒሩ ጸገም ምምጻኡ ዘይተርፍ እዩ። ንሃገር ድማ እቲ ኣብ ውሽጣ ኮይኑ ዚሓንጻ’ዩ ሕልፊ ዜድምዓላ። ስለ’ዚ እዛ ሃገር ትባድም ከምዘላ ዘመልክት ኣውያት’ያ እተስምዕ ዘላ። ኣውያታ ከኣ ናብ ኵሉ እዩ፣ ናብ ውልቀሰባት ስድራታት ናብ ዓበይቲ-ዓዲ ናብ መራሕቲ መንፈስን መራሕቲ ፖለቲካን… ዚቐርብ ዘሎ ጥርዓን እዩ። ምእንት’ዚ ዘለዉ ከምዘይከዱ፡ ዝኸዱ ከኣ ከምዚምለሱ ንምግባር ብልሓትን ትብዓትን ዜርኢ ተበግሶታት ከድሊ እዩ።
 
19. “ዓድኻን ዓይንኻን ኣይምኖን” ዚብል ምስላ ኣበው ተረሲዑ ዲና ክንብል? ሎሚ ዘሎ ኣተሓሳስባን ዝንባሌን “ዓድኻስ ጣዕማኻ ደኣ” ዚብል ይመስል፣ ማለት እቲ ጣዕምን ምቾትን እትረኽበሉ፡ ንሱ’ዩ ዓድኻ ዚብል ስለዝኾነ፣ ነዛ ሃገር’ዚኣ ንሕዝባ ምቾት
14
 
 
 
ጣዕሚ ስራሕ ሰላም ርግኣት…እትህብ ወይ ክትህብ እትጽዕር ንምግባራ ኣሎ ዚበሃል ብልሓትን ክእለትን ኪፍተሽ መድለየ። ሕጂ’ውን ብ2001 ቤተክርስትያን ንዝበለቶ ክንደግሞ ኵነቱን ሃለዋቱን ይግድደና ኣሎ፣ “ስለምንታይ መንእሰያትና ዓድጓና ዘማዕድዉ ምባል ትርጕም ኣይህልዎን። ዓዲ ሰላም፡ ዓዲ ፍትሒ፡ ዓዲ ስራሕ፣ ዓው ኢልካ ዝመሰለካ እትዛረበላ፡ ሰሪሕካ እተሓድረላ ዓዲ ምስ ሓዝካ፣ መዓር ገዲፉ መዓር ዜናዲ ስለዘየልቦ፣ ንስደት ክንዲ ዘማዕድዉን ዝኸዱን፣ካብ ስደት ዚምለሱን ዚውሕዙን መንእሰያት ኪህልዉና ናይ ግድን እዩ”።32 ከመይሲ ሃገር ደኣ እያ ምእንቲ ሰባ ምእንቲ ሕዝባ ዝቖመት’ምበር፡ ሰብ ምእንቲ ሃገር ከምዘይኮነ ብግብሪ ብጭብጢ ከረአ ኣለዎ።

ስነልቦናዊ ሃለዋት

20. በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰን ብኻልእ ንሕይወትን ሰብኣዊ ክብረትን ተቐባባሊ ብዘይኮነ ሃለዋትን ዚኣክል፣ ብመጻኢኻ ምጥርጣርን ምስጋእን፣ እንታይ ውሕስነት ኣሎኒ? ንዚብል ሕቶ ምላሽ ዘይምርካብን፣ ክብሪ ሰብኣዊት ሕይወት ሸለል ምባል ልሙድ ኮይኑ። ብዝኾነ ይኹን ኣገባብ ኣብ በለጽ ኣብ ረብሓ ምዝንባል፣ በዚ’ውን ግድልካ ኪፍታሕ ከምዚከኣል ምሕሳብ፣ ዝተተስፎኻዮን ዘማዕዶኻዮን ብምስኣን፣ ዝተጸበኻዮን ዝሓለንካዮን ኪፍጸም ዘይምርኣይ፣ ዘይብጻሕ ምዃኑ ተገንዚብካ ምጭናቕ ዓቕሊ ምጽባብ ንቡር ተርእዮ ይመስል።
 
ዝኾነ ኣድማዒ መደብን ኣገባብን ኣብ ስግር ማዕዶ ጥራሕ’ዩ ዘሎ፣ ኣብ’ዚ ኣብ ሃገረይ ዚጠቕመኒ ዘርበሓኒ ነገር የልቦን…ወዘተ…ዚብል ኣተሓሳስባ ገኒኑ። እዚ ከም’ዚ ዝበለ ኵነትን ሃለዋትን ነቲ ሰማይና ኣደቢንዎ ኣሎ። ነቲ ሠናይን ጽቡቕን፣ ኣብ’ዚ ብጻዕርኻ ከተጥርዮ ክንዲ ምፍታን፣ ናብ ካልእ ጥራሕ ምጥማት በዚሑ።
 
ምስ’ዚ’ውን ብዝተፈላለየ ምኽንያት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር (ኣብ ኣገልግሎት ኣብ ሰራዊት ኣብ ኣብያተ-ተሃድሶን ማእሰርትን…)ብዚርከቡ ኣባላታ ዝተነጻጸለት ስድራቤት፡ ዝሸምገሉን ናባዪ ዝሰኣኑን ወለዲ፡ መንፈሶም ብዓሚቝ ተሃስዩ ከም ይርከብ። እቲ ኣፍራዪ ዝኾነ ክፋል ኅብረተሰብ ካብ ስድራቤቱ ተፈልዩ ምርካቡ ዘምጸኦ ጸገማት ርኡይ እዩ። እዚ ከኣ በቲ ኤኮኖምያዊ መዳዩ ጥራሕ ዚረአ ዘይኮነስ፣ ነቶም ኣብ ቤት ዚተርፉ ኮነ፣ ነቶም ኣብ ጽምዋ ዘለዉ፣ በቲ ስነልቦናውን ሞራላውን ወገኑ፣ ብኸመይ ከም ዚሃስዮም ንምርዳእ ኣየጸግምን። ከም ሕማም ሽኮርን ጸቕጢ-ደምን ልብን…ዝበለ ሕማማት ምስፍሕፋሑ፣ናይ ሥነ-ኣእምሮ ሕማማት…ወዘተ ምብዛሑ ብዘይምኽንያት ኣይኮነን።
 

 
32 ነዛ ሃገር እግዚአብሔር የፍቅራ እዩ፣ 29
15
 
 
 

ማኅበራዊ/ሲቪላዊ ሃለዋት

21. ልሙድ ናይ ማኅበራዊ ሥርዓት ኣካያይዳና፣ በብቝሩብ ናብ “ነበረ” እናተለወጠ ብምኻድ መሣርዓት ኅብረተሰብን ዚጾሮ ዓንደ-ገመሉን እናተማሕወ ፈውሲ ናብ ዘይብሉ ዕንወት ገጽና ንኸይድ ኣሎና ኪበሃል ይከኣል። (ኤርም. 4፡11-21 ረአ)
 
ሃለዋት ስድራቤት
 
ናይ ወለድን ዓበይቲ-ዓድን መዝነት፣ ኣብ ልዕሊ ደቆምን ንኡስ ወለዶን ዘለዎም ጽልዋን ሓላፍነትን ብዝተፈላለየ ኣገባብ፡ እንተ ብመራኸብ-ብዙኃን እንተ ግዜኡ ብዘምጸኦ ናይ ኣገልግሎትን ናይ መንእሰይ ኵነታትን…ተሸራሪፉ ጥራሕ ዘይኮነስ ፈጺሙ’ውን ዝተረፈ ይመስል። ንሕና እንብሎም ግን ወላ’ኳ እቲ ንቡርን ባህርያውን መዝነትኩም ዝተመንዛዕኩም ኮይኑ እንተተሰመዓኩም፣ ኢድኩም ክትህቡ ግን ኣይግባእን። ሕጂ’ውን ናይ መሪሕነትን ኣብነትን፡ ናይ ዕርቅን መንጎይንነትን…
ኣገባብ ክትሕዙ፣ብግዜያዊ ጣዕምን ምቾትን ከይትምለኹን፡ ንዚመጽእ ኣማዕዲኹም ክትጥምቱ፣ ንስድራቤት ኣድሕኑ ንብለኩም። ድሕነት ስድራቤት፡ ድሕነት ሃገር እዩ። እቲ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?”ዚብል ሕቶ፣ ብፍላይ ንስድራቤት ኣብ ስድራቤት ንዚፍጸም ኵሉ ዚርኢ እዩ፣ ከመይሲ ኅውነት ዚፍጠረሉን ዚዓብየሉን ዚዕንብበሉን ባይታ ስድራቤት እዩ። ቤተክርስትያን’ውን መሠረታ ኣብ ስድራቤት እዩ።
“… ስድራቤት መሠረት ኅብረተሰብ እያ። ኣብ’ዛ ስድራቤትዚ’ኣ ወለዶታት (ዓበይትን ናእሽቱን) ይራኸቡ፣ምስ ናይ ማኅበራዊ ናብራ ግድነታቶምን ግቡኣቶምን ኣወሃሂዶም፣ ውልቃዊ መሰላቶምን ግቡኣቶምን እናማዕበሉ፡ እናበሰሉ ንኪኸዱ እተኽእል፣ ብሓባር ዚነብሩላ ተቅዋም እያ”33 ስለ’ዚ ንስድራቤትን ንናይ ቃልኪዳን ሃለዋትን ንምድሓን፡በቲ ቅኑዕ መንገዱ ከምትስጕም ምግባር የድሊ፣34

ሞራላዊ ሕንጸት

22. ኣብ ሕዝባውን ማኅበራውን ኣሠራርዓ እንተመጻእካ፣ ሥልጣን ንኣገልግሎት፡ ከምኡ’ውን ካብ ሕዝቢ ንሕዝቢ ምዃኑ ተረሲዑ፣ ፈታዊኻ እትደምዓሉ፣ ብግቡእን ዘይግቡእን ንርእስኻ እተጣጥሓሉ ኮይኑ ስለዚርከብ፣ ናብ ግቡእ ቦታኡ ንምምላሱ ሓዲስ ብልኃትን ተሓታትነትን፣ ብቕኑዕ መስመር ዚግበር ተወፋይነትን ዚሓትት ኵነታት እዩ። እቲ ብልሽውና ዚብል ቃል’ውን ኣብ ማኅበራዊ ናብራና ናቱ በሰላን ማህሰይትን ከምዘለዎ ዚከሓድ ኣይኮነን።
 
ብልሽውና ኪበሃል ከሎ፡ ብገንዘብ ገቢርካ ግቡእን ዘይግቡእን ንምርካብ ንዚግበር ፈተነ ጥራሕ ዚርኢ ኣይኮነን፣ ናይ ኅብረተሰብ ኅሊናን ኣተናን ኪቕበሎ ካብ ዚኽእል ሥሩዕ መንገድን፣ ካብ ልምድን ኣገባብ ሕግን ወጺእካ ምስራሕ’ውን
 

 
33ፍሥ.ተስ. 52
34ፍሥ.ተስ. 52 ረአ
16
 
 
 
ንርእሱ ብልሽውና እዩ። እቲ ቐንዲ መበቈሉ ኣገባብ-ቍጽጽር ምድኻሙ፣ናይ ግልጽነትን ተሓታትነትን ኣገባብ ዘይምትእትታዉ ኮይኑ ይረአ፣ ነቲ ዚፍጸም ዘሎ ብልሽውና ሰባት ክንዲ ዘቃልዑን ዘቃልሑን፣ጕዳይካ ከምዚሰልጠካ ጥራሕ ብምግባር፣ ብዙሓት ዝጠሓሉሉ ቀላይ ኮይኑ ኣሎ። ንመደብ ሓቅነት ጥሒስካ፡ ብሓሶት ክትካየድ ምፍቃድ ንርእሱ ውጹእ ብልሽውና እዩ። ፈሪሃ እግዚኣብሔርን ሓለዋ ሕጉን ዘይብሉ ሰብ ከኣ፣ከም ዓመጽን ግፍዕን ኣብ ዝበለ ኵነታት ምውዳቑ ዘይተርፎ እዩ። “ኵሎም ሓቢሮም ሥልጣን እግዚአብሔር ዝጠሓሱን ነኣኡ ዘይተኣዘዙን ነበሩ”፣(ኤርም.5፡1-11 ረአ)።
 
ካብ’ዚ ዓዘቕት’ዚ ብኸመይ እዩ ኪውጻእ ዚከኣል? ሕማም ብልሽውና ሡር እናሰደደ ዝመጽአ በኣጋ ዘይወጽእ እዩ። ብወገን መንፈሳዊ መሪሕነት ንሕሊና ሰባት ብምዅስኳስ ብመዕበያ ዚጥረ ነዊሕ ጕዕዞ እዩ፣ብጾምን ብጸሎትን፣ማለት ብሰፊሕ መንፈሳውን ሞራላውን ምሕዳስን ምጕስጓስን ኪፍጸም፣ ብወገን ፖሊቲካውን ሲቪላውን ሥርዓት ድማ ንጹርን ጽፉፍን ፖሊሲ ቍጽጽርን፡ ሕጋዊ ኣሰራርሓን ኪትከልን ኪድልድልን ይጽናሕ ዘይበሃል ጕዳይ እዩ።

ግዝኣት ሕጊ

23.ንሕዝብና ካብቲ ቀንዲ መለለዪኡ፣ ናይ ሕጊ ዕብየትን ግዝኣትን ዚፈልጥ ምዃኑ እዩ። “ዝባን ሕጊ” ቢሉ፡ዘንጊ-ሕጊ ቀጥ ዘበለ ሰብ፣ካብ’ቲ ዘንጊ ብረትን ኵናትን ዘልዓለ ንላዕሊ ዚፍራሕን ዚኽበርን እዩ። እዚ ጽቡቅ ልማድ’ዚ ምስጠፈአ ድዩ ብኣደዳ ብልሽውና ተወሪስና ዘሎና? ወይስ እቲ ብልሽውና እዩ ነዚ ዜጥፈኦ ዘሎ? እዚ’ውን ንሕንጸት ሃገርን ሕዝብን ዚርኢጕዳይ ምዃኑ ኪዝከር ኣለዎ ንብል።ብሕጊ ዚሕተትን ዚእሰርን ኵሉ፡ ቅድሚ ኵሉ ብሰብኣውነትን ብናይ ድንጋጸ ኣገባባትን ዚተሓዘሉ፣ ቀጺሉ ድማ በቲ ጥሒስዎ ዝተባህለ ሕጊ መሠረት ብዝቐልጠፈ ኪፍረድን ጕዳዩ ኣብ መዕለቢኡ ኪበጽሕን፣ብዓቢኡ ከኣ ብቅዋማዊ ሕጊ ክትምራሕ ምድላይ፣ ዝኾነ ይኹን ንርትዕን ፍትሕን፣ ንኡነተይና ሓርነትን ዝቖመ ኣካል ዚጽበዮ ነገር ስለዝኾነ፡ ዕቱብ ኣቓልቦ ኪረክብ ኣለዎ።
 
ምስ’ዚ እውን ብዝዓበየ ናይ ሃገርካ ግድላትን ጸገማትን፣ ብጽሑፍ ኮነ ብዘረባ ብግልጺ ዘይምክታዕ፡ ኣብ ዘተ ዘይምእታው፡ ብዋሕዲ ሓበሬታን ግልጽነትን ዚኣክል፡ ንጕዳይ ሃገር ዚርኢ ዘይምፍላጥን፣ንጹር መረዳእታን ዘይምርካብን፣ ናይ ሕሹዅ-ሹዅን ሕሜታን ሓሶትን ግዳይ ምዃን፣ ምስ’ዚ ኣብ ዝተተሓሓዘ ነገራት ምውዳቕ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ “እንታይ ገደሰኒ” ዝዓይነቱ ስምዒት የማዕብልን ይዕብልልን።
ጽን ኢልና ድምጺ ኃውና ክንሰምዕን ክንሰማማዕን፣ ኣበይ ኣሎ/ኣሎኻ? ኢልና’ውን ንሃለዋት ኃውና ኣቓልቦ ስለዘይንገብረሉ፣ እቲ ካልእ ዚብሎን ዚኾኖን ንምርዳእ ስለዘይተበገስና፣ ግድላትናን ፍልልያትናን መዓልቲ መጽአ እናዓበየ ይኸይድ ከምዘሎ ይረአ።
17
 
 
 

ትምህርቲ

24. ትምህርቲ መሠረት ስራሕን ምዕባሌን፣መሠረት ማኅበራዊ ለውጥን ኪኸውን፣ ነዛ ሃገር ከኣ ናብ ሓዲስ መድረኽ ዘሰጋግር ወለዶ ኪሕነጽ እንተተደልዩ፣ መሣርዓት ትምህርትን ኣገባባቱን ፈጺሙ ብሓዲሽ ብልኃትን ሥርዓትን ኪመሓየሽ ይግባእ። ንኡስ ወለዶ ናጻን ንጹሕን ብዝኾነ ኣእምሮ ኪመሃርን፣ ኣማዕዲኻ ዚረአ ናይ ስራሕ ዕድልን ውድድርን….ከምዚህልዎ ምግባር፣ ትምህርቲ ንስልጡናት ሃገራት ዘጨበጠን በረኸት ክንጭብጥ እንተደኣ ደሊና፣ እቲ ናይ ስልጡናት ሃገራት ብልሃት ትምህርትን፡ ንትምህርቲ ዘንቀሳቕስ ፍቱን መደባትን መጋበርታትን ምውናን ከምዘድሊ ብሩህ እዩ።
 
ቤተክርስትያን’ውን ኣብ ወገን ትምህርቲ ዘለዋ ኣበርክቶ፣ ነቲ ምልኣት ሰብኣ-ውነት ብምሕሳብ፣ ኵሉ ንዝተቐበሎን ዘማዕበሎን፣ ከም ሓቅነት፡ኅውነት፡ናጽነት፡ ማዕርነት፡ዴሞክራሲያውነት፣ ፍትሕን ርትዕን፡መሰልን ሕጋውነትን፡ ተሓታትነትን…-ዝበለ ሰብኣዊ ክብርታትን፣ መሠረታዊ መትከላትን ንምምዕባል እዩ። ነዚ ንምጭባጥ ድማ እቲ ንኻልኦት ዘርበሐ፣ ብታሪኽ ዝሓለፈን ዝተጻፈፈን ኣገባባት ምኽታል ብግዲ የድልየና፣ ካብ ተመክሮ ካልኦት ምምሃር ጽቡቕ እዩ።
“… ማኅበራዊ ሥርዓትን ንብረትን ቀጻሊ ለውጥን ምምሕያሻትን ዚሓትት እዩ። ኣብ ሓቂ ዝተመሥረተ፣ ብመደብ ፍትሕን ርትዕን ዝተሓንጸ፡ ብፍቕሪ ዝተዀስኰሰ ኪኸውን፡ ብናጽነት እናዓበየ ከኣ በብዕለቱ ብዚገብሮ ጕዕዞ ናብ ዝበለጸ ሰብኣውን ሚዛናውን ብስለት ኪበጽሕ ኣለዎ”35።

ናይ መነባብሮን ቍጠባን ኵነታት

25.ናይ ነፍስወከፍ ቤት ወይ ስድራቤት ኣከያይዳ በመንጽር ኤኮኖሚ ኪረአ ከሎ፣ እቲ ኣብ ወጻኢ ዚነብር ዝቐረበን ዝረሓቐን ወገን ስድራቤት እንተዘይህሉስ እንታይ ምተገበረ? ወይ ብኸመይ ምተሓልፈ? ዚብል ሕቶ እንኪመጽኣና፣ “ኣምላኽ ሽግር ይፈጥርሞ መደያይቦ ከኣ የምጽእ” ንዚብል ምስላ ኣቦታትና ዘኪርና ንጸናናዕ። እዚ ግና ናይ ወትሩ ፍታሕ ከም ዘይኮነ ፍሉጥ እዩ። ስራሕ እንተ ዘይተፈጢሩን፣ እቲ ውዑይ ኃይሊ መንእሰይ ሰሪሑ ኣታዊ ኣብ ዚረኽበሉ መዳይ እንተዘይተዋፊሩ፣ ስራሓት ንግድን ሕንጸትን ዳግም እንተ ዘይተበራቢሩ፣ እቲ ናይ ድኽነት ዝለገመ ቝስልን ሕማምን ደግሲ ከም ዘምጽእ ማንም ዚስሕቶ ኣይኮነን። ካብ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ናጻ ምዃን፣ እዚ ነገር’ዚ ንሃገር ብዓቢኡ ኣድማዒ እንተደኣ ኮይኑ፣ንውልቀ-ሰባትን ውልቀ-ስድራታትን (ድኹማትን ምግዱራትን ብዝሓደግካ) እውን ኣገዳሲ እዩ። እዚ ግን በቲ ኪምዕብል ዘለዎ ናይ ስራሕ ኵነታት ዚጥረ እዩ፣ ብውቁብ ቃላት ናይ ዝደመቐ ኣይኮነን።

 


 
35 ፍሥ.ተስ. 26
 
18
 
 
 
ኣብ ርእስ’ቲ ዘሎ ናህሪ ዋጋታትን፣ እኹል ዘይኮነ ደሞዝን፣ እናሓደረ ዚውንጨፍ ናይ ኣባይቲ ክራያትን፣ ዝመረጽካዮ ስራሕ ምስራሕ ዘይምኽኣል፣ ነኣብነት ንብዙሕ ወገናት ኅብረተሰብ ከንቀሳቕስ ዝነበሮ፡ ሓደ ካብ’ቲ ብዙሕ፡ስራሕ ሕንጻ ደው ምባሉ ኣዝዩ ሃሳዪ ኮይኑ ተረኺቡ። ክትንቀሳቐስን ክትሰርሕን፣ ብረሃጽካን ፍረ ስራሕካን ምንባር እንተ ዘይተኻኢሉ፡ በዚ ዓይነት’ዚ እቲ ናጽነት ውልቀ-ሰብን ሕዝብን እንተ ዘይደልዲሉ፣ ነቲ ናጽነት ሃገር ብኸመይ ኢና ክንርድኦ? ኣበይ ኢናኸ ክንረኽቦ? ብሓጺሩ ሰብኣዊ ስራሕን ምዕብልናን ኣብ ናጻ ድልየትን መሃዝነትን ዝተመርኰሰ እንኪኸውን፡ ፍረ ዘለዎን ንሰብ’ውን ዘኽብሮን ዘማዕብሎን ይኸውን።36
 
ናይ ምቾትን ናይ ጣዕምን ጕዳይ ዘይኮነስ፣ ንምህላውን ዘይምህላውን ዚርኢ እዩ፣ ከም ዕለታዊ እንጌራን ማይን መብራህትን…ዝበለ መሠረታዊ ሃላኺ ነገራት፡ ናይ መነባብሮ መሠረት ክንድዝኾነ፣ ብዚምልከቶ ወገን ዚግባእ ኣቓልቦ ኪግበረሉ፣ ብሓጺሩ ሥርዓት ኤኮኖሚ’ውን ንሰብ ብዘድምዕ ኣገባብ ኪኽለስ የድልዮ።

ሥነምግባራውን መንፈሳውን ሕይወት፣

26. ኣብ ሞራላውን መንፈሳውን መዳይ ክንመጽእ ከሎና፣ እቲ ኣባና ዘሎ ቝስሊ ኣዝዩ ረቂቕን ዓሚቝን ኮይኑ ይርከብ፣ እምበርዶ ኪሓዊ እዩ? እውን የብለካ። ነቲ ሞራላውን ሥነ-ምግባራውን ተኵርና እንክንርኢ፣ “ንሕና ዲና? ወይስ ተለዊጥና፡ ካልእ ኢና ኮይንና?” ዘብል ሃለዋት ንረክብ። እቲ ሞራላዊ መምርሕታትናን ናይ ሥነምግባር ኣገባባትናን ተቐያዪሩ፣ ዝነበረ ፈጺሙ ተሠዊሩ፣ ዘይነበረ ኣገባብ ሣዕሪሩ፣ ሥነምግባር ናይ መንነትን እንታይነትን መግለጺ ብምዃኑ፣ኵነትና ባዕሉ ዚምስክረልና እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ ዚፍጸም ዘሎ ይመስል፣“…ሰባት ፈተውቲ ርእሶም፣ ፈተውቲ ገንዘብ፣ተጀሃርቲ ዕቡያት፣ተጻረፍቲ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ዘየማስዉ፡ ሃይማኖት ዘይብሎም፡ ንስድራኦም ዘየፍቅሩ፡ ተቐየምቲ…ገዛእ ርእሶምገቲኦም ዘይክ-እሉ፣…ኪኾኑ እዮም”37። ንሰይጣን ምምላኽ’ውን ብኸምዚ ዚመጽእን፡ ብስም ሥልጣኔ ዚቀላቐልን ምዃኑ ምዝኽኻር የድሊ። ንሰይጣን ዘምልኹ ኣብ መንጎና ኣለዉ ዚበሃል ዘሎ’ውን ዘየሰክፍ ኣይኮነን ።
 
“…ካብ ቀደም ብዝተፈልየ፡ንመደብ ኣምላኽን እምነትን ምንጻግ፡ ወይ ፈጺምካ ምሕዳግ ውልቃዊ ወይ ናይ ፍላይ ተርእዮ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ብዙሓት ዚረአ ዘሎ እዩ። ከም’ዚ ዝበለ ኣተናን ዝንባሌን፣ሎሚ ስነፍልጠታዊ ምዕባሌ ወይ ናይ ሓዲስ ሰብኣውነት ምልክት ገቢርካ ምርኣዩ ተለሚዱ….”38።

 


 
36Caritas in Veritate 17
37ዘፍጥ.4፡9
38ፍሥ.ተስ. 7 (ጉባ. ቫቲ. 2ይ)
 
19
 
 
 
 
ኣብ ርእስ’ቲ ዘሎ ናህሪ ዋጋታትን፣ እኹል ዘይኮነ ደሞዝን፣ እናሓደረ ዚውንጨፍ ናይ ኣባይቲ ክራያትን፣ ዝመረጽካዮ ስራሕ ምስራሕ ዘይምኽኣል፣ ነኣብነት ንብዙሕ ወገናት ኅብረተሰብ ከንቀሳቕስ ዝነበሮ፡ ሓደ ካብ’ቲ ብዙሕ፡ስራሕ ሕንጻ ደው ምባሉ ኣዝዩ ሃሳዪ ኮይኑ ተረኺቡ። ክትንቀሳቐስን ክትሰርሕን፣ ብረሃጽካን ፍረ ስራሕካን ምንባር እንተ ዘይተኻኢሉ፡ በዚ ዓይነት’ዚ እቲ ናጽነት ውልቀ-ሰብን ሕዝብን እንተ ዘይደልዲሉ፣ ነቲ ናጽነት ሃገር ብኸመይ ኢና ክንርድኦ? ኣበይ ኢናኸ ክንረኽቦ? ብሓጺሩ ሰብኣዊ ስራሕን ምዕብልናን ኣብ ናጻ ድልየትን መሃዝነትን ዝተመርኰሰ እንኪኸውን፡ ፍረ ዘለዎን ንሰብ’ውን ዘኽብሮን ዘማዕብሎን ይኸውን።36
 
ናይ ምቾትን ናይ ጣዕምን ጕዳይ ዘይኮነስ፣ ንምህላውን ዘይምህላውን ዚርኢ እዩ፣ ከም ዕለታዊ እንጌራን ማይን መብራህትን…ዝበለ መሠረታዊ ሃላኺ ነገራት፡ ናይ መነባብሮ መሠረት ክንድዝኾነ፣ ብዚምልከቶ ወገን ዚግባእ ኣቓልቦ ኪግበረሉ፣ ብሓጺሩ ሥርዓት ኤኮኖሚ’ውን ንሰብ ብዘድምዕ ኣገባብ ኪኽለስ የድልዮ።
 
ሥነምግባራውን መንፈሳውን ሕይወት፣
 
26. ኣብ ሞራላውን መንፈሳውን መዳይ ክንመጽእ ከሎና፣ እቲ ኣባና ዘሎ ቝስሊ ኣዝዩ ረቂቕን ዓሚቝን ኮይኑ ይርከብ፣ እምበርዶ ኪሓዊ እዩ? እውን የብለካ። ነቲ ሞራላውን ሥነ-ምግባራውን ተኵርና እንክንርኢ፣ “ንሕና ዲና? ወይስ ተለዊጥና፡ ካልእ ኢና ኮይንና?” ዘብል ሃለዋት ንረክብ። እቲ ሞራላዊ መምርሕታትናን ናይ ሥነምግባር ኣገባባትናን ተቐያዪሩ፣ ዝነበረ ፈጺሙ ተሠዊሩ፣ ዘይነበረ ኣገባብ ሣዕሪሩ፣ ሥነምግባር ናይ መንነትን እንታይነትን መግለጺ ብምዃኑ፣ኵነትና ባዕሉ ዚምስክረልና እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ ዚፍጸም ዘሎ ይመስል፣“…ሰባት ፈተውቲ ርእሶም፣ ፈተውቲ ገንዘብ፣ተጀሃርቲ ዕቡያት፣ተጻረፍቲ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ዘየማስዉ፡ ሃይማኖት ዘይብሎም፡ ንስድራኦም ዘየፍቅሩ፡ ተቐየምቲ…ገዛእ ርእሶምገቲኦም ዘይክ-እሉ፣…ኪኾኑ እዮም”37። ንሰይጣን ምምላኽ’ውን ብኸምዚ ዚመጽእን፡ ብስም ሥልጣኔ ዚቀላቐልን ምዃኑ ምዝኽኻር የድሊ። ንሰይጣን ዘምልኹ ኣብ መንጎና ኣለዉ ዚበሃል ዘሎ’ውን ዘየሰክፍ ኣይኮነን ።
 
“…ካብ ቀደም ብዝተፈልየ፡ንመደብ ኣምላኽን እምነትን ምንጻግ፡ ወይ ፈጺምካ ምሕዳግ ውልቃዊ ወይ ናይ ፍላይ ተርእዮ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ብዙሓት ዚረአ ዘሎ እዩ። ከም’ዚ ዝበለ ኣተናን ዝንባሌን፣ሎሚ ስነፍልጠታዊ ምዕባሌ ወይ ናይ ሓዲስ ሰብኣውነት ምልክት ገቢርካ ምርኣዩ ተለሚዱ….”38።
 
20
 
 
 
የብልናን”  39። ኢየሱስ’ውን “ንኽልተ ጐይቶት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ’ኳ የልቦን፣
 
…ንገንዘብን ንኣምላኽን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም” 40  ይብል።

መሠረት ቍስልናን ጸገምናን

29. እዚ ዘይሓዊ ዚመስል ቍስልና፣ እቲ ዝዓመቘን ዝረቐቐን መበቈሉ፣ እናናሳዕ እውን ከም ዚመላለስ ዚገብሮ፣ እቲ ኣብ ወድሰብ ዘሎ ኃጢኣት ዚበሃል ቍስሊ እዩ። እዚ ብምንታይ ይግለጽ እንተተባህለ፣ ኣብ’ቲ ብደረጃ ውልቀሰብ ኮነ ብሓባር እነርእዮ፣ ፍቕርን ኃልዮትን ርኅራኄን ዝጐደሎ ሕይወት፣ በቲ ብዝተፈላለየ መልክዑ ዚቀላቐል ስስዕትን ነኣይ ጥራሕ ይጥዓመኒ ዚብል ስምዒትን እዩ። እዚ ኣብ ኵሉ መዳያት ሕይወትና ተዘርጊሑ ወይ ሰፊሑ ዘሎ ኣመል ስስዕትን ህርፋንን፣ ኣመል ብልሽውናን ዘይተሓታትነትን፣ ንሓደ ሕዝቢ ወይ ሃገር ዘይሓዊ ቍስሊ ኮይኑ፣ መወዳእታኡ ከኣ ሓድነትን ሕውየትን ናብ ዘይርከበሉ፣ ናብ’ቲ ሓደገይና ኵነታት የብጽሖ። ነዚ ኵሉ መን’ዩ ተሓታቲ ኪበሃል ከሎ፣ ብርግጽ ደረጃታቱ’ኳ ዚፈላለ እንተኾነ፣ ካብ’ዚ ነጻ እየ ዚብል ግን ፈጺሙ የልቦን፣ ከመይ “ኃጢኣት የብልናን እንተበልና፣ ንገዛእ ርእስና ንጥብር ኣሎና፣ እታ ሓቂ’ውን ኣባና የላን”41 እዚ ጸገም’ዚ ፈቲሕና ናብ ንቡር ክንምለስ እንተኾይንና፣ ናብ’ቲ ሡርን ሠራውርን ጠሊቕና ክንኣቱ ከድልየና እዩ። እቲ ሕውየት’ውን ካብቲ ሡሩ ኪጅምር ኣለዎ።
 
ፋሕ ዝበለ ካርታ-ዓለም ከተዓራሪ ዝተሓተተ ቈልዓ ኪበላሓት ከሎ፣ ነታ ካርታ በቲ ዝባና፣ ስእሊ ሓደ ሰብ ከምዘለዋ ኣስተውዓለ። ኣፍንጫን እዝንን…
 
እናኣለለየ ከኣ፣ ኣብ ሓጺር ግዜ ነቲ ምስሊ ሰብ ንምሥራዕ ዘይተጸገመ ቈልዓ፣ ማዕረ ማዕረኡ፣ በቲ ካልእ ገጽ ንዝነበረት ካርታ ክትኮና ከምዚግበኣ ብምግባር ብድርብ ተዓወተ፣ መልእኽቱኸ፣ ዓለም ንምትዕርራይ ቅድም ንሰብ ምዕራይ ዚብል እዩ።
 
ሃገራዊ ይኹን ውልቃዊ ናይ ወድሰብ ጕዕዞ ኪሠምር፡ ሚዛናውን ምዕሩግን ክብሩ ዝሓለወን ኪኸውን እንተተደልዩ፡ ብሓጺሩ ምልኣት ዝዓዘዞ ንኪኸውን፡ ብላዕሊ ኣምላኽ፡ ብታሕቲ ድማ ሰብ ዝማእከሉ ሥልጣኔ ንምሕናጽ ድልዱል መሠረት ምንባር የድሊ። “ኣምላኽ እንተዘይሓነጸ፡ ሓነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ” (መዝ. 127፡1)። ሃገር ዚበሃል ከኣ ሓደ ክፋል መሬት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ሓባር ተመክሮን መነባብሮን ታሪኽን ጕዕዞ ሕይወትን ዘለዎ፣ ጥዑምን ሕሱምን፡ ውዑይን ዝሑልን፡ ሠናይን ግናይን…ብሓባር ዝተቐበለን፣ ብሓደ
 

 
391ጢሞ.6፡6-7
40ማቴ. 6፡24
411ዮሓ.1᎓18
 
21
 
 
 

ጕዕዞ ሰላም

30. ኣቐድም ኣቢሉ (ኣብ ቍ.12) “ብሰላም ዚሓድር ሰላማዊ ሕዝቢ” ከምዘሎና ዘኪርና፣ ከም በርከትን ሠናይን ምርኣይና ቅኑዕ እዩ፣ እንተኾነ “… ሰላም ኪበሃል እንከሎ፡ ውግእ ዘይብሉ ጥራሕ ማለት ኣይኮነን፣ ኣብ መንጎ ተጻረርቲ ወገናት ሚዛን-ሓይሊ ብምሕላው ንዚርከብ ሰላም ዚርኢ’ውን ኣይኮነን፣ ብመላኽን ዓብላልን ሥርዓት ዚመጽእ’ውን ኣይኮነን፣ ሰላም ኪበሃል ከሎ፡ብግቡእን ቅኑዕን ኣገባብ ንዚካየድ “መደብ ፍትሕን ርትዕን”42 ዚርኢ እዩ። ምእንት’ዚ ኣብ ውሽጣዊ ርግኣትን ህድኣትን ዝተመርኰሰ እዩ። ሰላም ማለት ኵሉ ወገን መሰሉ ዚጭብጠሉን፡ ብሕጋዊ መገዲ ግቡኡ ዚረኽበሉን እንኪኸውን፣ እዚ ሰላም’ዚ ኪመጽእ ዚኽእል፣ እቲ ንኅብረተሰብ ዝሠረዐ ኣምላኽ ኣብ ዚህቦ ውሽጣዊ ስኒት እንኪምሥረትን፡ በቶም ንፍትሒ ጸሚኦም ዚንቀሳቐሱ ሰባት ኣብ ግብሪ እንኪውዕልን እዩ”43።
 
ንሰላም ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ግፍዕን ዘይፍትሓውን ኵነታት ኪሥዕርር፣ ቅንእን ትዕቢትን ዘይምትእምማንን ኪነግሥ እንከሎ እዩ።44 ዝኾነ ይኹን ሰብ መሰሉን ክብሩን ኪትንከፍ፣ግቡኡ ኪስእን ከሎ፡ መሠረታት ሰላም የሃምም። ከምኡ ፍትሒ ዚጽበዩን፣ ብመንገዲ ሕጊ ዚድለዩን፡ዝተታሕዙን፡ ብዝቐልጠፈ ፍትሒ ከምዚረኽቡ ምግባር፡ንሰላም ድልዱል መሠረት ምንጻፍ እንኪኸውን፣ “ዝተደናጐየ ፍትሒ፡ ዝተነፍገ ፍትሒ” ዝተባህለ’ እውን ንኸንቱ ኣይኮነን። መደብ ፍትሕን ሰላምን ብሓን-ሳብ ተቓንዩ ዚኸይድ’ምበር ኪነጻጸል ኣይክእልን። እቲ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዚብል ዘናውጽ ሕቶ፣ ዝለዓለ መቓልሑን፡ ኣውያቱን ንብዓቱን “ካብ ምድሪ ናብ ኣምላኽ ዚጠርዓሉ”(ዘፍጥ.4፡10) ኵነትን ብግልጺ ዚረኣየሉን ዚስመዓሉን ኮይኑ ኣሎ።

መዛዘሚ

ትንሣኤ ክርስቶስ ብእንዝክረሉን እነኽብረሉን ፡ በዚ ዘመነ ትንሣኤ፣መበል 23 ዓመት ናጽነታ ንእተኽብር ሃገርና ኣምላኽ ኪባርኸልና፣ ሃገር ትንሣኤን፡ ሃገር ተስፋን ፍቕርን፣ ሃገር ፍትሕን ርትዕን ኪገብረልና ክንጽልን፣ ክንጽዕርን ናይ ኵሎም ወገናት መራሕትን ናይ ሕዝብን ናይ ነስወከፍን ግቡእ እዩ። ኣብ’ዛ ሃገርዚኣ ዘለዉ ምእመናንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን፡ ንሰላምን ንዘተን ንምርድዳእን ከምዚጽልዩ ነኣምን። “… ብስመይ ዝለመንክምዎ …ኽገብረልኩም እየ… ፣(ዮሓ.14፡13)ብዝበለና መሠረት፣ ጸሎትና ንኸንቱ ከምዘይኮነ ንፈልጥ። ስለ’ዚ ሃገርና ነቲ ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ ሰላም ጸሚኣ ከምዘላ ርኡይ እዩ። “ሰላመይ እኃድገልኩም ኣሎኹ፣ ሰላመይ እህበኩም ኣሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ ከምቲ ዓለም ዚህቦ ኣይኮነን፣ ኣይትሸበሩ፣ ኣይትፍርሑ”።(ዮሓ.14፡27-28)
 

 
42ኢሳ. 32፡
43ፍሥ.ተስ. 78
44መዝ.ሃይ. 2317
 
22
 
 
 

፫ይ ክፍሊ፡ ምስክርነት

“መሰኻኽረይ ክትኮኑ ኢኹም”(ግ.ሓ. 1፡8)

 
31. “ሃልሃልታ እምነት ሓደ ግዜ እንተደኣ ጠፊኣ፣ እቲ ካልእ ብርሃናት’ውን ኪድብዝዝ ስለ ዚርከብ፣ ብርሃን እምነትና ዳግማይ ኪበርህ”45 ኣለዎ። ሃልሃልታ እምነት ወትሩ ከም ዘንበልብል፡ ብርሃን እምነት ወትሩ ከምዚበርህ ምግባር ማለት፡ ካልእ ዘይኮነስ፣ “ኣብ ኢየሩሳሌምን ኵላ ይሁዳን፡ኣብ ሰማርያን ክሳብ ወሰን ምድሪ ኸኣ መሰኻኽረይ ክትኮኑ ኢኹም”46 ንዝተባህለ ቃሉ ምፍጻም፣ ምስክርነትካ ምዕዛዝ ማለት እዩ።
 
እዚ ናይ ኢየሱስ ብርቱዕ ኃይለቃል ሎሚ’ውን ነኣና ዚበሃል ዘሎ እዩ። ንፈለማ ነቶም ተኸተልቱ ኪበሃል እንከሎ፣ እታ ማኅበረ ምእመናን ክትዓቢ ጀመረት። ክሳብ ሎሚ ቤተክርስትያን ክትዓቢ ትርከብ ኣላ።ንሕና’ውን ኣብዚ መስርሕ ዕቤት’ዚ ናትና እጃም ከም ዘሎና፡ ናቱ ኣካልን ክፍልን ምዃንና ንፈልጥ። እዚ ዝተጠቕሰ ቃል’ዚ ዝኸበዶም ከም እኒ ኣቡነ ሰላማ ቅዱስ ፍሬምናጦስ ዝበሉ ቀዳሞትን ድሕሪኦም ዝሰዓቡ ፱ቱ ቅዱሳንን፣ ንኽርስትና ኣብ ሃገርና ተኺሎም ኣዕበዩ፣ ዳሕራይ ድማ ከም እኒ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ዩስጢኖስ ሰቢኾም ንክርስትናና ድልዱል መሠረትን ዳግማይ ንቕሓትን ኪህብዎ እንከለዉ፣ እዚኣቶምን ተኸተልቶምን ዝሰርሑዎን ዝረሃጽዎን ኵሉ ንሕና ሎሚ ነስተማቕሮን ንነብሮን ከምዘሎና ፍሉጥ እዩ። በብግዜኡ’ውን እዋኑ ዚጠልቦን ዚሓቶን መደባትን ምልክታት ግዜን እናስተውዓለን፣ መምርሒ ቤተክር-ስትያን እናተኸተለን፡እነሆ ሕጂ ኣብ’ዛ ሃገርና ዚርከብ ካቶሊካዊ ወገን ሕዝቢ እግዚኣብሔር፣ ኣብ ኣርባዕተ መጓሰ ወይስ ሰበኻዊ ኤጳርቅና ተመዲቡ ኪጐዓዝ ይርከብ ኣሎ።
 
32.ንዅሎም’ቶም ኣብ’ዚ ግራት-እምነት ዝሰርሑን ዝመርሑን፣ብእምነት ዝተመላለሱን እምነት ዘውረሱን ጳጳሳት ካህናት መነኮሳን ደናግል ምእመናን ኣቦታት/ኣዴታት ብምስጋና ንዝክሮም። ኣሰሮም ብምስዓብ ከኣ ምስክርነትና ከነጕልህ ቃል እነኣትወሉ እዩ። ካቶሊካዊ እምነትና ሡር ሰዲዱ፣ ክርስቶስ ብቓሉ ብተግባሩን ንዝፈጸሞ እትቕጽል ቤተክርስትያን፣ በቲ ሰፊሕ ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን፡ ንሕሙማን ሥጋ ብእትገብሮ ሓገዝን፣ ናይ ቤትዘኻትምን፣ ንደቀንስትዮን ንዝተፈላለየ ናይ ሰብኣዊ ምዕባሌን መደባት ብምዝርጋሕ ስብከተ-ወንጌል እትፍጽም ቤተክርስትያን እያ። ሎሚ’ውን ቤተክርስትያን ነዚ ምስክርነታ ብዚግባእ ንኸተዕዝዞ፡ ነቲ ስብከተ ወንጌል
 

 
45ብር.እም. 4
46ግ.ሓ. 1፡8
23
 
 
 
በቲ ናይ ምሕረት ስራሕ ዝኾነ ግብረሠናይ እናሰነየት ንምስክርነታ እትቅጽሎ ዘላ፣ “ኣበይ ኣሎ ሓውኻ?” ንዚብል ሕቶ ክብደት ስለዝሃበቶ እዩ። ርግጽ’ዩ ሎሚ እቲ እምነት ኪወርስ ዚግበኦ ኣካል ኣመንቲ፣ ብፍላይ ከኣ ወገን ንኡስ ወለዶ ፈቖዶ ሃገራት ፋሕ ምባሉ፡ ንእምነቱ ኣብ ዚጻባእ ሃለዋት ምንባሩ፣ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ።
 
ጽቡቕ ኣሎና ብዚብል መንፈስ ከይዳህለልና፣ ከም መጠን ድኹማት ፍጡራን ናትና ደረታትን ሰብኣዊ ጕድለትን ኃጢኣትን ዝጸወርና ምዃንና ክንፈልጥን ክንእመንን፡ ተስፋ ከይቀበጽና ከኣ ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ክንምዕቈብ ይግበኣና። ኣብ ከም’ዚ ጕዕዞ’ዚ፡ እቲ ቀዳማይ ስጕሚ፣ መንፈስ ንስሓ ምልባስ እዩ። ደረታትናን ጕድለታትናን ምእማን፣ ካልኦት ኣብ ልዕሌና ንዚፍጽምዎ በደል ይቕረ ንምባል ዘይምስልካይ፣ ንኻልኦት በቲ ዝገበሩኻ ሕማቕ ዘይምፍዳይ እዩ።
33.ጕዕዞ ክርስትና ብሓፈሻኡ ኮነ፣ እዚ ጕዕዞ ዓመት-እምነት ዚሓቶ ምምሕያሽ፣ ብብዙሕ መዳያት ክንጽመደሉ ዘሎና እዩ፣ ቅድሚ ኵሉ ምስ እግዚኣብሔር ኣቦ፣ ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ መድኃኒና፣ ምስ መንፈስ ቅዱስ ወሃቢ-ሕይወት ዚህልወና፣ ናይ ነፍስወከፍ ቀጥታዊ ርክብ ከመይ ኣሎ? ናይ ምእመናን እምነታዊ ሕይወት ከመይ ኣሎ? ጕዳይ እምነትናን ኅብረተሰባዊ ሃለዋትናን፣ ብመንጽር’ቲ ብፍቕሪ ክንግደሰሉ ዘሎና ሓውናን፣ እንነብረሉ ኅብረተሰብናን ከመይ ከምዘሎ ኣዕሚቝና እንፍትሸሉ እዋን እዩ። “… ኣብ ስራሕ ስብከተወንጌል ኪዕንቅጽ ዚኽእል ናይ ቤተክርስትያን ኣሰራርዓን ኣገባብን ዘጋጥመሉ ኣሎ፣ ነዚ ዅሉ ቀጺሉ ዚግምግምን ዘንቀሳቕስን መደብ ምስዚህሉ ግን እዚ ጽቡቅ መጋበሪ ኪኸውን ይኽእል፣ ብዘይካ ቅኑዕን ብቑዕን መንፈስ ወንጌልን፣ብዘይ ናይ ቤተክርስትያን ተኣማንነትን (ንጸዋዕታኣ) ዝኾነ ዓይነት ሓዲሽ መሣርዕ ገለ’ኳ ዘየፍሪ ይኸውን”47።
 
34. ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ዚህበና ምስላታትን ሕይወቱን፣ ሕይወት ደቀ-መዛሙርቱን ብቐንዱ እንተረኣና፣ እታ ናይ መንግሥቲ ኣምላኽ ደቃቕ ዘርኢ በቝላ ዓብያ ንኽትፈሪ፡ ክትመውት ኣለዋ፣ ናይ ክርስትያናዊ ዕብየትን ስጕምትን ሕጊ እዚ እዩ፣ ምእንት’ዚ ከኣ ንማኅበረ ክርስትናና ኮነ፣ ንነፍስወከፍና እናናሳዕ ዜጋጥመና ጸገማት ተስፋ ከቝርጸና ዘይኮነስ ከትበዓና እዩ ዘለዎ።ምስ ቅዱስ ጳውሎስ ኮይንና’ውን “ምስ ዝደክም ሽዑ እየ ዝብርትዕ”48 ክንብል ኣሎና። “ኣታ ንኡስ መጓሰ፡ ኣቦኹም መንግሥቲ ኪህበኩም ፍቓዱ እዩ’ሞ፡ ኣይትፍርሑ!”49።
ነቲ መጻኢ ጕዕዞን መድረኽን ክንጥምት ከሎና፣ ብመንጽር ጉባኤ ቫቲካንን መላእ ቤተክርስትያንን፡ ቅድስናኦም ዚኣወጅ ዘሎ ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23፡ ኣብ ምኽፋት ዓቢይ ጉባኤ ዝሃብዎ መሪሕ ቃል ንዝክር፣“…ናትና ተግባር ድማ ብተባዕን ቁምነገረይናን ድልየት፡ ብዘይፍርሓት፡እዋኑ የሓተና ንዘሎ ስራሕ ርእስና ከነወፊ፡
 

 
47ታሕ. ወን. 26
482ቆሮ.12፡10
49ሉቃ.12፡32
24
 
 
 
ምእንት’ዚ ከኣ ቤተክርስትያን ንዝሓለፈ 20 ምእተዓመት ንዝተኸተለቶ መንገዲ ሒዝካ ምጕዓዝ እዩ…”50 ከምዝበሉ፣ ከም መጠን ቤተክርስትያን ዘሎና ቀንዲ ዕማምና፣ ብእሙን ቀጻልነትን፡ ብውዕዉዕ ተባላሓትነትን ነቲ ስራሕ ስብከተ-ወንጌል ምዕማቝን ምስፍሕፋሕን እዩ። እቲ ብሓዋርያት ዚሰርሕን፣ ንሰማዕቶም ዜነቃቕሕን ዝነበረ መንፈስ ቅዱስ ከኣ፣ ነዚ ተግባር’ዚ ንምፍጻም ክእለትን ድልየትን ባህግን ትብዓትን ከምዘልብሰና ነኣምን።51
 
ብኸመይ ኢና ግን ምስክርነትና ከነዕዝዝ እንኽእል? ዓረቕትን መሓርትን፣ መንገዲ ሰላም ተኸተልትን ብምዃን፣ ነዛ ዓለም’ዚኣ ከይመሰልካ(ሮማ.12፡2) ብመንፈስ ክርስቶስ ክትነብር ምኽኣል፣ ብመንጽር ብጻይካ ንዘሎካ ሓላፍነት ፈሊጥካ ግቡእካ ምፍጻም የድሊ። “… ንሃገርካን ንሕዝብኻን እሙን ብምዃን፡ ነቲ ኵሉ ናይ ዜግነት ግዴታን ኃላፍነትን ብተኣማንነት ብምፍጻም፣ ካቶሊካውያን ምእመናን፡ ንናይ ሓባር ጠቕምን ረብሓን ከማዕብሉን፡ ከገልግሉን ኣለዎም። ምእንት’ዚ ከኣ ርእይቶኦ-ምን ቅኑዕ ሓሳባቶምን ብምዕዛዝ፣ መንግሥታዊ ሰበሥልጣን ብመደብ ፍትሕን ርትዕን ከም ዚካየዱ፡ ሕግታትን ዚወጽእ ድንጋገታትን ምስ ሞራላዊ ሕግን፡ ሓባራዊ ጠቕምን ከምዘሳኒ ኪገብሩ ትሑዛት እዮም…።” 52
 
ቤተክርስትያን’ውን ንርእሳ፣ ማለት ናይ መራሕታን ኣባላታን ኣብ መደብ ንስሓ ምእታው ከምዘድሊ፣ ቃል ኤርምያስ ነቢይ የመልክት፣ “እንተ ተነሣሕካ ክቕበለካ እየ፣ ከምበሓዲሽ’ውን ኣገልጋልየይ ክትከውን ኢኻ፣…ናተይ ነቢይ ክገብረካ እየ፣ እቶም ሕዝቢ ናባኻ ተመሊሶም…” (ኤር.15፡19) ኪመጽኡ እዮም።

ስብከተ-ወንጌል

35.ነዚ መጻኢ ጕዕዞና ክንጥምት ከሎና፡ ናይ ተልእኮ ቤተክርስትያንና ቀዳምነታት በኣጋኡ ይረኣየና። ነዚ ዚኸውን ትምህርትን ትዕዝብትን ካብቲ ዝሓለፈ ዝተቐበልናዮ ብሥራት ወንጌል፣ ብመደብ ትምህርተ-ክርስትናን (Catechesis) ሊጡርግያዊ ሕይወትናን ዘስተማቐርናዮ እዩ። እዚ ኵሉ ምስ’ቲ ዕለታዊ ሕይወት ተዋሃሂዱ እዩ። እዚ ኪግበር ዘለዎ፣ኣብ’ዚ ዚስዕብ ሰነዳት ተገሊጹ ኣሎ፣ 1) “ናብ ኣሕዛብ” ዚብል ሰነድ ጉባኤ 2) ጳውሎስ 6ይ ብ1975 ዓ.ም.ፈ. “ስብከተ ወንጌል ሎሚ”፡3) ቅድስናኦም ዚእወጅ ዘሎ ብፁዕ ዮሓንስ-ጳውሎስ 2ይ፣ ”ተልእኮ ክርስቶስ” 4) 7-28 ጥቅ. 2012 ዝተኻየደ ንሓዲስ ስብከተወንጌል ዚርኢ ሲኖዶስ ኣቡናት፣ 5) “ታሕጓስ ወንጌል”፣ ናይ ኣቡነ ፍራንቸስኮስ መልእኽቲ።
 
ኣብ ሃገርና ናይ ክርስቶስ እሙናት መሰኻኽር ንምዃን፣ ንዅሎም ምእመናንና እነተሓሳስቦ ጕዳይ እንኪኸውን፣ ናይ ሓባር ጕዕዞ እዩ። ስብከተ-ወንጌል ኪበሃል
 

 
50ቤ.ክ. ቅ.ጴጥሮስ 11 ጥቅ. 1962፣ ዮሓንስ መበል 23 ( ኣብ ምኽፋት ጉባኤ ቫቲካን 2ይ)
51ግ.ሓ.2፡29፣ 4፡13.29.31፣ 9፡27-28 ረአ
52ሓዋ.ተል.ምእ.14
25
 
 
 
ከሎ፡ ከም መጠን ናይ ዓለም መድሓኒ ንክርስቶስ ምስባኽ እዩ።53 ነዚ ዘጸናንዕ መልእኽቲ ድሕነትን መድሓንን፣ንሕና ክርስትያን ብቐጻሊ”ብግዜኡን ብዘይግዜኡን”54 እንሰብኮ ኮይኑ፡ ኣብ’ዛ ሃገርና እነበርክቶ ዝዓበየ ህያብ እዩ። ምኽንያቱ መልእኽቲ ተስፋን ፍቕርን እንኪኸውን፣ ብቕዱስ መጽሓፍ ብዚወሃብ ቃል-ኣምላኽ ዚንገር፣ ኣብ ሕይወት ምሥጢራት ውጽኢቱ ዚንበር፣ኣብ ግብረ-ኣምልኾ (ሊጡርግያ) ዚዝከርን ዚኸብርን፣ ብሕይወት ዚምስከርን እዩ። እዚ ዝዓይነቱ ዕማም ስብከተ-ወንጌል ናይ መላእ ሕዝበ-እግዚኣብሔር መንፈሳዊ ወፈራ ዚሓትት እዩ።

“ብስም ጥራሕ ክርስትያን”

36. ጉባኤ ቫቲካን 2ይ ብዓቢይ ሻቕሎት ካብ ዝተዛረበሉ ሓደ፣ ናይ’ቲ “ስማዊ ክርስትና” ኪብል ዝሰመዮ ወገን ጕዳይ እዩ። ኣብ’ቲ “ፍሥሓን ተስፋን” ዝኣርእስቱ ሰነዱ (ቍ.43)”…ብዙሓት ሰባት ንእምነቶም ምስ’ቲ ኣብ ዕለታዊ ጕዕዞ ዚነብርዎ ሕይወቶም ከወሃህድዋ ብዘይምኽኣሎም፣ ነዚ ክልቲኡ ብምንጽጻሎም፣ ናይ’ዚ እዋን’ዚ ዝዓበየ ስሕተት ወይ ግድል ኪበሃል ይከኣል…”55። እዞም ብስም ጥራሕ ክርስትያን ከመይ ዝበሉ እዮም? ብጕዳይ እምነቶም ዘይግደሱ፣ ንእምነቶም ከም መሪሕ ሕይወቶም ዘይርእዩ፣ ምስ ማኅበረ ክርስትና ኮይኖም ንኣምላኾም ንመድኃ-ኒኦም ዘየምልኹ፣ ንገሊኡ ወገናት እምነት ዚቕበሉ ንገሊኡ ግን ዚነጽጉ፣ ብሓፈሻኡ ንሓደ ስማዊ ክርስትያን መለለዪኡ፣ ዝተጠምቀ ግና ኣብታ ማኅበረ ክርስትናኡ ርኡይ ንጡፍ ተሳትፎ ዘይብሉ፣ ብሓጺሩ ዛሕሊ ዝሃረሞ፡ ናይ ሕይወት ሙቐት ዘይብሉ ክርስትያን እዩ። ” …ተጠሚቖም ክንሶም፣ መደብ ሕይወቶም ግን ነቲ ናይ ጥምቀት ግድነቶም ዘየንጸባርቕ”56 ሕይወት ዚነብሩ እዮም።(ታሕ.ወን. 15 ረአ) “ኣቱም ደቀየ! ብግብርን ብሓቅን እምበር ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር”57።
 
37. ነዞም ከምዚኦም ዝበሉን፣ ብሓፈሻኡ’ውን ንዅሉ ዚኸውንን “ሓዲሽ ስብከተ-ወንጌል” ከድልየና እዩ። ብ1973፡ ጳውሎስ 6ይ ኣብ ሃይቲ (ላቲን ኣመሪካ) ብዝገለጽዎ መሠረት “ሓዲስ ስብከተ-ወንጌል” ኪበሃል ከሎ፣ “ብሓዲስ ቅንኣት-መንፈስ፣ ብሓዲስ ብልኃት፣ ብሓዲስ መግለጺ” ዚፍጸም ስብከተ-ወንጌል ንምባል እዩ። ነቲ ኣብ ኅብረተሰብ ዘሎ ለውጢ ኣብ ግምት ብምእታው፣ሓዲሽ ቋንቋ፡ሓዲሽ ቅዲ ኣመሃህራ፡ ሓዲሽ ኣገባብ ሕይወትን ስብከትን፡ ሓዲሽ ዓይነት ምስክርነትን ኣብ ቤተክርስትያን ከድሊ እዩ።
 

 
53ስብ.-ወን.  (ጳውሎስ 6ይ)
542ጢሞ. 4፡2
55ፍሥሓን ተስፋን 43 [በነዲክቶስ 16፡ስብከት ኣብ ላቲን ኣመሪካ፣ ታሕ.ወን.15]
56ታሕ.ወን. 15
571ዮሓ.3፡18-19
26
 
 
 
ከምኡ’ውን ናብቶም “ዝረሓቑ”፣ ናብቶም ዘይመጽኡ ገጽና ክንምልስ ከነም-ጽኦም ክንጽዕር ኣሎና። ብእምነት ዝመጽአ “ድኻታት” ናብ ዝኾኑ ገጽና፣ናብ’ቶም ናይ ኣምላኽ ጽምእን ጥሜትን ዘለዎም፣ ክርስትያን ክንሶም ከም ዘይክርስትያን ኮይኖም ዚካየዱ’ሞ ምምጻእ ዝኣበዩ፣ ናብኦም ክንከይድ ኣሎና። ነፍስወከፍ ሰብ ብውሽጠ-ውሻጠኡ ብኅሊናኡ ስምዒት ኣምላኽ ዘለዎ ስለዝኾነ፡ ማለት ናይ ነፍስወከፍ ሰብ፡ እቲ “ናይ ልቡ ልቢ” ኣምላኽ ብቐንዱ ስለዝኾነ፡ ነዚ ምስረኸበ ጥራሕ’ዩ ኪቐስን ዚኽእል።(ቅዱስ ኣጐስጢኖስ)
 
38. ኣብ’ዚ ከም’ዚ ዝበለ ስብከተ-ወንጌል ኵሎም ደቂ ቤተክርስትያን ተለኣኽትን ተወፈይትን ዚኾንሉ58 ጸዋዕታ ኣለዎም፣ ዚሳተፉሉ ኣገባባትን መደባትን፣ ዜገልግልሉ ቦታን ምጥጣሕ የድሊ፣ ብሓጺሩ ዓለማውያን ምእመናን’ውን ኣብ ናይ ቤተክርስትያን ሱታፌን ኅብረትን ዘለዎም ቦታ ኪፈልጡ፡ በኣኡ መጠን ከኣ ንጥፈታቶም ከዕዝዙ ስለ ዘድሊ፣ ንሕና ኵልና ክንስበኽን ክንሰብኽን ከድልየና እዩ። ቤተክርስትያን ነዚ እምነት እተመሓላልፈሉን ትሕዝቶ-እምነት እትምህረሉን ቀንዲ ኣገባብ ድማ፣ ኣብ መንጎ ዕለታዊ ሕይወትን ወንጌላዊ ትምህርትን ርክብ ብምፍጣር እዩ። ንወንጌል ሕልፊ ዜስፍሖ ከኣ ኣእምሮኣዊ ምርምር ዘይኮነስ ግብራውን ሕይወታውን ምስክርነት እዩ። “…ምእመናን ንጕዕዞ-ሕይወቶም ብመደብ ፍቕሪ፣ ሕይወት ኪህብዎ የድሊ። ብዚከኣል መጠን ድማ ነዚ መደብ ግብረ-ሠናይ ኣብ ተግባራቶም ኪገልጽዎ ይግባእ።
 
ነፍስወከፍ ምእመን በቲ ኣብ ግብረ ኣምልኾን ጸሎትን ዚሳተፎ፣ በቲ ብድላዩ ዚሓቝፎ መደብ ንስሓን ናይ ዕለታዊ ናብራ ጻዕርን ድኻማትን ኣቢሉ፡ ንድኅነት መላእ ዓለም ከምዘበርክትን፡ ኣብ ኵሎም ሰባት ጽልዋኡ ከምዚህልዎን ኪዝክር ይግበኦ…”59። ምእመናን ከኣ ኣብ’ቲ ዜካይድዎ መደብ ሓዋርያውነት በቶም ፊት ዚስርዑ መራሕቶም ጳጳሳትን ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ተሰንዮም ይፍጽምዎ።

ንእምነትና ዘዳኽሞ ኣየናይ እዩ?

ሀ) መንፈስ ዓለምን ዓለማውነትን፡

39. “ካብቲ ብጸጋ ክርስቶስ ገይሩ ዝጸወዓኩም ኣምላኽ፣ እንታይ እዋኑ ናብ ካልእ “ወንጌል” ከም ዝሓለፍኩም ገሪሙኒ ኣሎ”60 ኪብል ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ካብ መንፈስ ክርስትና፣ ተጻዩ ናብ ዝኾነ መደብ ዝዘንበሉ ኣበርቲዑ ይወቕሶም። ሎሚውን ከም ጥንቈላ ዝሙት፡ ሓሶት፡ስርቂ፡ ብላዕ (ጉቦ)፡ኪዳናዊ ጥልመት… ዝበለ መንፈስ ዓለም’ምበር መንፈስ ክርስቶስ ዘየንጸባርቕ ባህልን ኣከያይዳን ኣብ ማእከልና ምእታዉ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ከም ንቡር ዘየሰክፍ ዘየሕንኽ ኮይኑ ምዝውታሩ፣ እቲ ቃል ጳውሎስ
 

 
58ሓዋ.ተል.ምእ. 3 ረአ
59ሓዋ.ተል.ምእ. 16
60ገላ.1፡8
27
 
 
 
ነኣና’ውን ከምዝተባህለ የረድእ። እቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ቀጥዒ ዘይብሉ ናይ ሃብትን ዓብላልነትን ህርፋን፣ ብግዙፍን ግዜያውን ሥጋውን ታሕጓስ ጥራሕ ክትዓግብ ምምናይ፡ ንገንዘብን ሃብትን ክትብል መደብ ሕሊናን መሥርዕ ክርስትናን ሓዲግካ ምውጻእ…።ናይ’ዚ ዅሉ መበቈል ኪበሃል ዚከኣል“…ፍልጠት ሃይማኖት ዘይምህላው፣ ወይ ዘይምግዳስ፡ ኣብ ግዜያዊ ናይ ዓለም ሃብትን ጥሪትን ምዝንባል፣ ናይ ኣመንቲ ሕማቕ ኣብነትን ዕንቅፋትን፣ ተጻይ እምነት ዝኾነ ዘመናዊ ኣተሓሳስባ…“ እዩ።61
 
ብሓጺሩ እቲ ኣብ ግዜያዊ ጣዕምን ሃብትን ምቾትን ዚኣምን፣ “ማተሪያሊዝም” ማለት ንመጻኢት ሕይወት ዘየሓስብ መንፈስ-ኣልቦ ኣተሓሳስባን ዝንባሌን ይደፍእ ከምዘሎ ግልጺ እዩ።ንኣምላኽ ግምት ዘይህብ፣ ጆርጅ ኤልዮት ዝተባህለ ደራሲ ከም ዚብሎ ድማ፡ጥልቕ ኢሉ ዘየስተውዕል ኣብ ርእሱ ዚጥሕል”ኣንነት”፣ ማለት ባዕለይ ብባዕለይ ክኽእል…ዚብል ሓሳብን ግብራዊ ኣገባብን እዩ፣ ንርእስኻ ኣብ ቦታ ኣምላኽ ምግባር፣ መሠረት ህላዌኻ ንሱ ክንዲ ዚኸውን “ባዕለይ” ዚብል ሓሳብ ገኒኑ፣ገንዘብ እንተሒዘ ኵሉ ሒዘ… ዚብል ዚንባሌ ኣሎ፣ንብዙሓት ከኣ ካብ ኣምላኽ ኣርሒቑ። ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን’ውን እንተኾነ እዚ መንፈስ’ዚ ከየኣቱ ዘየፍርሕ ኣይኮነን። ዝኣመንካዮ “ኣንነትካን ገንዘብካን” ዓለምካን ምስ ጠለመ፣ እቲ ፈሊጡ ልቡ ንመደብ ኣምላኽ ዝዓጸወ ሽዑ ሓዲግ ይተርፍ፣ በንጻሩ ባዶነቱ ተኣሚኑ፡ጥራሕ ኢዱ ኮይኑ ንኺመልኣሉ ናብ ኣምላኽ ዝቐረበ ግን ልቡ ይመልኣሉ። ከመይ ኣምላኽ ወሰን ዘይብሉ መሓሪ እዩ።
“…ኃጥኣን ንመንግሥቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ኣይትጋገዩ!! ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣዖት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ግብሪ-ሰዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ ስሱዓት፡ወይ ሰኽራማት፡ወይ ተጻረፍቲ ወይ ከተርቲ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም…”62።

ለ) እኹል ክርስትያናዊ ኵስኰሳ ዘይጸገብካ ምዃን፣

40. “ነታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምንጫ ንዚሓተኩም ንምምላሽ ስንድዋት ኩኑ”63። ብቓል ይኹን ብተግባር ንምምላሽ ግን ቅድም ንርእስኻ ርዱእ ብሱል ሰብ ክትከውን ግዲ እዩ፣ እዚ ከኣ ብናይ ትምህርቲ-እምነትካ ፍልጠትን፣ ኣብ ሕይወት ምሥጢራት ብዘሎካ ተሳታፍነትን፡ ብዓቢኡ ድማ በቲ ክርስትያናዊ ተወፋይነትን ዚወሃብ ምስክርነት ዚዓዝዝ እዩ። ብዓቢኡ ክትርእዮ ከሎኻ፣ ንእምነት ዚርኢ ገለ ዓይነት ድንቍርና፣ ንምጥፋኡ ክንቃለስ ከም ዘሎና ርዱእ እዩ። ብሕፃንነትካ ሓደ እዋን ብዝተመሃርካዮ ጥራሕ ምንባር ዝተኻእለሉ ገርህን ጥዑምን ግዜ ሓሊፉ እዩ። “ሰብ ኣብ’ዚ ዚርከበሉ ታሪኻዊ ኵነቱ ወይ ሃለዋቱ ኮይኑ፣ ንእግዚአብሔር ብብርሃን
 

 
61መዝ.ሃይ. 29
621ቆሮ. 6፡9
631ጴጥ.3፡15
28
 
 
 
ኣእምሮኡ ጥራሕ ንኺፈልጦ ብዙኅ ጸገማት ኪጓነፎ ይረአ…”64፣ ስለ’ዚ ነዚ ሎሚ ዘሎ ጽንኩር ኵነት ንምብዳህ ድልዱል ዝኾነ መንፈስን ምሕዳስን የድልዮ።
 
ንእምነትና ዘደልድል ኣየናይ እዩ?

ሀ) ኣብ ሓልዮት ኣምላኽ ነቕ ዘይብል እምነት

41. “ብናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸጋን፡ ነኣኡ ብምፍላጥን ግና ዕበዩ” (2ጴጥ. 3፡18) ከም ዚብል ብጸጋኡን ፍልጠቱን ክንስጕም እዩ ዚድለ ዘሎ። ስለ’ዚ ነቕ ዘይብል እምነት ኪበሃል ከሎ፡ ኣብ ኣምላኽ ንዘሎና ጸግዕን ደገፍን ዘረጋግጽ፣ ምእንት’ዚ ከኣ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ናብ’ቲ ሓደ ኣምላኽና ደኣ’ምበር፣ “ከኣልቲ ወይ ፈለጥቲ” ናብ ዝበልናዮም ጠንቈልቲ ክንከይድ ኣይግባእን፡እምነትና ኣየፍቅደልናን እዩ። ከምኡ’ውን ጕዳይናን ባህግናን ናብ ኣምላኽ ምሰ’ቕረብና፡ ኣብ’ቲ እምነትናን ሓልዮት-ኣምላኽን ተማዕቍብና ንካየድ’ምበር፣ “ብግዲ ድላየይ እንተ ዘይተፈጸመለይ
 
…” ዝዓይነቱ ኣተና ቅቡል ኣይኮነን። ብዙሕ ግዜ ከምዚረአ እቲ ኣብ ሓልዮት ኣምላኽ ዘሎና እምነት ዚፍተነሉ ግዜ
 
የጋጥመና። ዝደለኻዮ ሓገዝ ምስ ደንጐየካ፣ ወይ ዘይተሰማዕካ ኮይኑ ምስ መሰለካ እውን እንተኾነ፣ እምነት ንጽንዓትን ትጽቢትን እዩ ዚሓትት’ምበር ናብ ካልእማልእ ምባል ኣይኮነን። “ዝኾነ ዓይነት ጥንቈላዊ ትንቢት፣…. ብምትሃት ሙታን ምጽዋዕ፣….
 
ከዋኽብቲ ምቝጻርን፡ራሕ ኢድ ምንባብን ዛዕጐል ዘርዚርካ መጻኢ ምትርጓምን ምንጋርን፣…. መናፍስትን ካልእን ምጽዋዕ….ብመንጽር ኣምላኽ ኪህልወና ንዚግበኦ ግምትን ክብርን፣ፍቕሪ ዝመልኦ ፍርሓቱን ኵሉ ዚጻረር እዩ”።(መዝ.ሃይ.2116)

ለ) ንቤተክርስትያን ክርስቶስ እሙን ምዃን የድሊ።

42. ሓደ ሓቀይና ናይ ክርስቶስ ተኸታሊ ዚበሃል ሰብ ነቲ “ምሉእ ክርስቶስ” እዩ ዚቕበል፣ ማለት ነቲ ርእስን ነቲ ኣካልን ብምሉኡ ይቕበል፣ ምእንት’ዚ እቲ ን”ኽርስ ቶስ ሕራይ!!” ”ንቤተክርስትያን ግን ኣይፋል!!” ዚብል ዘረባ ጊጉይ እዩ። ኣብ ኵሉ መዳያት ሕይወትና፣ ንውልቃዊ ይኹን ሓባራዊ ሕይወትና ብዚርኢ ኵሉ፣ ነዛ ቤተክርስትያን’ዚኣ ክንክተልን፣ ንዅሉ ትምህርታን እምነታን ክንቅበልን ኣሎና። ስለ’ዚ ድማ ንትምህርቲ ቤተክርስትያንን ንትእዛዛታን ብዚግባእ ክንሰምዕን ክንስዕብን ከሎና፣ ነቲ ሥሩዕን ሚዛናውን እምነታዊ ሕይወትና ውሕስነት ገቢርናሉ ማለት እዩ።
 

 
 
64  መዝ.ሃይ. 37
29
 
 
 

ሐ) መስቀል ክርስቶስ ምጽዋር፣

43. “… መስቀል ክርስቶስ፡ ኣምላኽ ንዓለም ናይ ዘለዎ ፍቕሩ መግለጺ፣ ናይ’ቲ ኵሉ ጸጋታት ምንጪ ምዃኑ መረጋገጺ ስለዝኾነ፣ ቤተክርስትያን መስቀል ክርስቶስ ክትሰብኽ ግቡኣን ግዴታኣን እዩ…“65።ንኽርስቶስ ምኽታልማለት መስቀሉ ንምሽካም ድልዊ ምዃን ዚሓትት እዩ። “ኪኽተለኒ ዚደሊ እንተሎ ንሱ ርእሱ ይኽሓድ፣ መስቀሉ ጸዊሩ ከኣ ይከተለኒ”።66 ኣብ ቤተክርስትያን ክርስቶስ ዘሎና ተወፋይነትን እምነትን ዚዓዝዝ፣ በቲ ንመስቀል ክርስቶስ ዘሎና ተጸምዶን ተወፋይነትን ምዃኑ ክንፈልጥ ይግባእ። ንመስቀል ክርስቶስ ምቕባል ማለት ኣብቲ ዅሉ መደባት ሕይወትና ተስፋ ከይቈረጽና ንመደብ ኣምላኽ ንምቕባልን፡ ብዓቕሊ ምጽባይን ዘኽእለና እዩ። ኣምላኽ ዘይሰመዓና ኢልካ ምጭናቕን፣ እዚ ዅሉስ ነኣይን ኣባይን ስለምንታይ? ብዚብል ሕቶ ክንናወጽ ከሎና፣ ኣብ መስቀል ክርስቶስ ዘሎና እምነት ጥራሕ’ዩ ኪምልሸልና ዚርከብ። ምእንት’ዚ ብኪዳናዊ ሕይወት ይኹን፡ ብክህነታዊ ብውፉይ ሕይወት ኵሉ ብዚግበር እምነታዊ ጕዕዞ፣ ንመስቀል ክርስቶስ ንምጽዋርን ንምስባኽን ድልዋት ክንከውን ኣሎና። ክርስትና ኣብ መስቀል ዝዓንበበን ዝፈረየን ስለዝኾነ፣ ኣብ እግሪ መስቀል ምዃን ንሓደ ክርስትያን ኣብ’ቲ መበቈሉ ምህላዉ ዚምስክረሉ፣ ኃይሊ እምነቱ ዘውሕሰሉ እዩ።

መ) ንባብ ቃል-ኣምላኽ (ቅዱስ መጽሓፍ) ምዝውታር፣

44. “ሰብ ብዅሉ ቃል ኣምላኽ’ምበር ብእንጌራ ጥራሕ ኣይነብርን እዩ”67 “እነሆ ኣነ ናብታ ሃገር ጥሜት ዝሰደለን መዓልታት ኪመጽኣ እየን፣ እዚ ጥሜትዚ ግና ንምስማዕ ቃል እግዚአብሔር እምበር ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ኣይኮነን”።68 ካብ’ቲ ናይ ዓመት እምነት ቀንዲ ባህግታትን ትምኒትን፣ እዚ ናይ ኣሞጽ ነቢይ ቃል ንኪፍጸም እዩ፣ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ናይ ቃል ኣምላኽ ባህግን ሃረርታን ኪሓድሮ፣ በቲ ብሃንቀውታ ዚቐርቦን ዜንብቦን ቃል ኣምላኽ ሕይወቱ ንኪሕደስ እዩ።
 
ጉባኤ ቫቲካን 2ይ ኣብ’ቲ ቃል-ኣምላኽ ዚብል ሰነዱ፡“ኣብ ምሥጢረ ቅዱስ ቍርባን ብዚግበር ተሳትፎ ሕይወት ቤተክርስትያን ከምዚዓብን ከም ዚሕነጽን፣ ነቲ ‘ንወትሩ ዚነብር’ ቃል-ኣምላኽ ብዚህልወና ፍሉይ መንፈሳውነትን ኣኽብሮትን፣ ሓዲስ ናይ ሕይወትን መንፈሳዊ ምንቕቓሕን…”69 ኪበጋገስ ተስፋና እዩ። በኣኡ ኣቢሉ ቃል-ኣምላኽ ንዝመጽኣና“ቅዱስ መጽሓፍ ዘይምፍላጥማለት ንኽርስቶስ ዘይምፍላጥ”
 

 
 
65ዘሎናዮ ዘመን 4
66ማቴ. 26፡24
67ሉቃ.4፡4
68ኣሞ.8፡11
69ቃል-ኣም. 26
 
30
 
 
 
(ቅ. ሄሬኒሞስ) ስለዝኾነ፣ ሥሩዕ ንባብን ኣፍልጦን ቅዱስ መጽሓፍ ንኺቅጽል፡ ናይ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ቆሞሳትን ኰስኰስትን ኵሎም ኪጽዕሩ ይግባእ።
 
ንንባብ ቅዱስ መጽሓፍ ዚወሃቦ ኣቓልቦ፣ ኣብ ምእመናንና ተበራቢሩ ምርኣይ ዘጸናንዕ እዩ። ግና ወትሩ መሥመሩ ዝሓለወ ኣናብባን ርድኢትን፣ ኣብ’ቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን መሥመር ዝጸንዐን ኪኸውን ሓደራ ንብል።ነዚ ዚሕግዝ ናይ ቅዱሳት መጻሕፍቲ በብቛንቋኡ ተተርጕሙ ዝቐረበልና ኅታማት ምህላዉ’ውን ዓቢይ በረኸት እዩ። እዚ ንባብ ቃል-ኣምላኽ ፍረ ዘለዎን ዜሓድስን ኮይኑ ምእንቲ ኪርከብ፣ ብግቡእን ብቑዕን ምስንዳውን ኣገባብን ኪግበር የድሊ።

ሠ) ኣብ ናይ ምሥጢራት ሕይወት ምስታፍ፣

45. “ከምቲ ንናይ ክርስቶስ ሥጋኡን [ደሙን] እተኽብሮ፣ ቤተክርስትያን ንቅዱሳት መጻሕፍቲ’ እውን ወትሩ ዚግባእ ክብሪ ትህቦ።…ካብ’ቲ ሓደ መኣዲ ቃል-ኣምላኽን ሥጋ ክርስቶስን ቀጺላ መግቢ ሕይወት እናተቐበለት ድማ፣ ከየቋረጸት ንምእመናና ከተቕርበሎም ትርከብ” (ቃል ኣም.21 ጉባ.ቫቲ.2ይ)። “ኣቱም ዝደኸምኩምን ዝጸዓርኩምን ኵልኹም ናባይ ንዑ፣ ኣነ ድማ ከዕርፈኩም እየ”70። “መሠረቱን ዓንድ-ማእከሉን መሥዋዕተ ቅዳሴ እንተ ዘይኮይኑ፣ ሓደ ማኅበረ ክርስትና ኪሕነጽ ኣይክእልን”።71 ኣብ ልማድና ዝጸንሐ ንመንፈሳዊ ኽብርን ዝኽርን ዚወሃብ ግምት ልዑል እዩ። እዚ ብፍላይ ኣብ’ቲ ናይ ምሥጢራት-ክርስትና ሕይወት ኪረአ ዘለዎ እዩ፣ ነቲ ዝደኸመን ኪሕደስ ዘለዎን ሕይወት-ክርስትናና ቀንዲ ሓይሉን ትብዓቱን፣ ኣብ’ዚ ናይ ምሥጢራት ሕይወት ከም ዚረክብ ብምፍላጥ ሕይወትና ኣብኡ ዝተተኽለን በኣኡ ዝተመገበን ኪኸውን፣ እዚ ናይ ዓመት እምነት ዕላማ ዚሓቶ እዩ።
 
ኣብ ምእመናን ዚረአ ዘሎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ናይ ምውፋይ ባህጊ ዓቢይ ስጕሚ እንኪኸውን፣ ግና ብዚግባእ ብብቑዕን ኣገባብ ክንሳተፎ፣ ሕይወትና ከኣ በቲ ናይ መሥዋዕቲ ክርስቶስ ጸጋታት ተሓዲሱ ዚረኣየሉ ሃለዋት ክንርኢ ንምነ። እዚ ኸኣ ፍርያቱን ውጽኢቱን ዚገሃድ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና እንነብሮን እነስተማቕሮን፡ ኣብ መደብ ዕርቅን ምሕረትን ብእነዘውትሮ ኣገባባት እንኪኸውን፣ ብፍላይ ብንስሓ ብዝነጽሐን፣ ብቅዱስ ቍርባን ዝተመገበን ሕይወት ኪህልወና እዩ ዚድለ። መሠረት ስድራቤትን ናይ ሓድነትን መርኣያ ዝኾነ መሥጢረ ቃልኪዳን ብተኣማንነትን ብመሥዋዕትነትን ከይተረፈ ክንሕልዎን ክንነብሮን ዝተጸዋዕናሉ እዩ። ኣብ ግዜ ሕማምን ናይ ኣምላኽና መጸዋዕታን ከኣ በቲ ግቡእ ኣገባብ ሥርዓተ ቀንዴል ክንስነ ከሎና፡ ግቡእን ብቑዕን ክርስትያናዊ ሕይወትና ለቢስና ንርከብ።
 

 
70ማቴ.11፡ 28
71ማዕ.ክህ. 6 (ጉባ. ቫቲ. 2ይ)
 
31
 
 
 

ረ) ምስ ማርያም ኣብ እግሪ መስቀል፡ደቂ ተስፋን ትንሣኤን

46. ኣቱም ብልቢ እነፍቅረኩም ኣባላት ሕዝቢ እግዚአብሔር! ናይ’ታ “ኮኸብ ተስፋ”72 ዝተሰምየት ድንግል ማርያም ኣሰር ብምኽታል ኣብ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ጸኒዕኩም ክትቅጽሉ ነተባብዓኩም። “…ነዚ ዘሎ እዋን ብእምነትን ተስፋን ጸኒዖም ዚሓልፍዎ፡73 ነቲ ዚመጽእ ክብሪ’ውን ብትዕግሥቲ ዚጽበይዎ ምእመናን ክርስቶስ”74 እንክትኮኑ፣ ደቂ ተስፋ ምዃንኩም ኣመስኪርኩም ማለት እዩ።
 
ስለ’ዚ ነዛ ተስፋ’ዚኣ ኣብ መዓምቝ ልብኹም ክትሓብእዋ ዘይኮነስ፣ ኣብ ናይ’ዚ ዓለም’ዚ ዕለታዊ ናብራኹም ብቐጻሊ ክትገልጽዋ ብዘኽእል እምነትን ጽንዓትን ክትነብሩ ሓደራ። ነዚ እትገብሩ ድማ ብቐጻሊ ንስሓ ናብ ኣምላኽ ምስ እትምለሱን፣ “ምስ’ቶም ንዘመን ጸልማት ዘመሓድሩ ገዛእቲ ዓለምን፡ ምስ’ቶም ናይ ኃይሊ ክፍኣት መናፍስትን”75 ብጽንዓት ምስትቃለሱን እዩ…”76።

መዛዘሚ

ከም መጠን ክርስትያን ምእመናን’ እምበኣር፡በቲ ካብ እምነትን ናይ ወንጌል ብሥራትን ዚርከብ ታሕጓስ ተጸናኒንዕኩም፣ ንዘመዳ ኤልሳቤጥ ክትበጽሕ ተቐላጢፋ ንኸበሳ ይሁዳ ንዝደየበት ማርያም፣ ነታ …ኣምሳል ቤተክርስትያን ዝኾነት ኣደ ኢየሱስ ተኸቲልኩም፣ ነዚ ዓለም’ዚ ከተቕርብሉ ዘሎኩም ተስፋ፡ ኣብ ውሽጥኹም ብምጽዋር ኣብ ጐደናታት ታሪኽ ክትጐዓዙ ዝተጸዋዕኩም ምዃንኩም ክትፈልጡ ይግባእ።77 እምነት ቀጥ ክትብል፣ተስፋ ክትድልድል፣ ፍቕሪ ከይትዝሕል ከይተሓለልኩም ብክርስትያናዊ ሓቦ ንበሩ፡ መስክሩ፡ ጸጋ ኣምላኽ ኣስተማቕሩ። “ ኣብ ኵሉ ጸሎትና ምእንቲ ኵልኻትኩም ብሓጐስ ንጽሊ ኣሎና”።78
 
ምስ ክርስቶስ ምትንሣእ ማለት ውሽጣዊ ናይ ለውጢ ጕዕዞን ንስሓን ኮይኑ፣ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዚግበር ምስግጋር እዩ፣ ደቂ ብርሃን ክንከውን እንተ ዘይከኣልና፣ ነታ ሓቂ ክንርእያ ኣይንኽእልን ኢና፣ ሓቅነት እንተዘይብልና፣ ሓራ ኣይኮንናን ማለት እዩ። (ዮሓ. 8፡32 ረአ) ብብርሃን ትንሣኤ በሪህኩም፣ብተስፋ ትንሣኤ ክትምልኡን፣ ነዚ ምስክርነትዚ ክትበቕዑን፣ እቲ ብትንሣኤ ወዱ ክርስቶስ ዘሓጐሰና ኣምላኽ-ሰላም፡ ሰላሙን ርግኣቱን የሃብኩም።
 

 
72ብተስፋ ድሒንና፡49
73ኤፌ.5፡16፣ ቆላ.4፡5 ረአ
74ሮማ. 8፡25
75ኤፌ.6፡12
76ብር.ኣሕ.35
77ብተስፋ ድሒንና 50 ረአ
78ፊልጵ. 1፡4
 
32
 
 
 
(ጸሎት)
ኦ! ማርያም ኣደና! “…ከም መጠን ኣደኦም፡ ኣደ ተስፋ ኮይንኪ፣ ኣብ መንጎ ተመሃርቱ ትቕጽሊ ከም ዘሎኺ፣….ልክዕ ከማኺ ምሳኺ ክንኣምን፣ ክንትስፎ፣ ከነፍቅር መሃርና። ናብ መንግሥቱ ዜብጽሕ መንገዲ ኣርእይና፣ ኦ ኮኸብ ባሕሪ ኣብልዕሌናኣብርሂ!ኣንጸባርቒ፣ኣብመንገድና’ውንምርሕና”…። (ብተስ. ድሒ. 50)
 
“ ኦ ኮኸብ ሓዲሽ ስብከተ ወንጌል፣ እቲ ካብ ወንጌል ዚርከብ ታሕጓስ ክሳብ ወሰናስን ምድሪ ብምብጻሕ፣ ነቲ ናይ ዓለም መወዳእታ ጫፍ’ውን ምእንቲ ከብረሃሉ፣ ናይ ሱታፌ-ኅብረትን ኣገልግሎትን፡ ናይ’ቲ ምዉቕ እምነትና፡ ናይ ፍትሕን፡ ናይ ፍቕሪ ድኻታትን ኣንጸባራቒ ምስክርነትና ንምሃብ ሓግዝና፣ ኦ! ኣደ ሕያው ወንጌል! ነቶም ናይ ኣምላኽ ንኡሳን ምንጪ ታሕጓሶም ዝኾንኪ ኣዴና ለምንልና፣ኣሜን ሃሌሉያ። [ታሕ. ወን. 288]
Eritrea-bishops-signs-2014

ኣሥመራ ዘመነ ትንሣኤ
፮ይ ሰንበት ትንሣኤ
/25 ግንቦት
 
2014
 
33
 
 
 

መግለጺ መወከሲ

ጢሞ. መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ
ዕብ. መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ዕብራውያን
ተሰ. መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ
ብር. እም. “ብርሃን እምነት“  ናይ ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ፍራንቸስኮስ መልእኽቲ
ኣፍደገ እምነት᎓ ናይ ርእሰ ሊቃነጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16  መልእኽቲ
ሉቃ. ወንጌል ሉቃስ
ራእ.21 ራእይ ዮሓንስ
ዮሓ. ወንጌል ዮሓንስ
ኢሳ. መጽሓፍ ኢሳይያስ ነቢይ
1ዮሓ. መልእኽቲ ዮሓንስ
ጥበ. ሰሎ. ጥበበ ሰሎሞን
ፍሥ. ተስ. ፍሥሓን ተስፋን፣ ሰነድ ጉባኤ ቫቲካን 2ይ ብዛዕባ ቤተክርስትያን ኣብ ዓለም
ታሕ. ወን “ታሕጓስ ወንጌል” መልእኽቲ ኣቡነ ፍራንቸስኮስ
ሰላምን ምዕብልናን … 1991 መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ 1991
ዘሎናዮ እዋን፡ ሰነድ ጉባኤ ቫቲካን 2ይ ፣ ብዛዕባ ካልእ ሃይማኖታት
ማቴ. ወንጌል ማቴዎስ
ኤር. ኤርምያስ ነቢይ
ድጕ. ኤር. ድጕዓ ኤርምያስ
ዘፍጥ. ኦሪት ዘፍጥረት
ነዛ ሃገር እግዚአብሔር የፍቅራ እዩ፣ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ 2001
Caritas in Veritate ዓዋዲት መልእኽቲ በነዲክቶስ 16
መዝ.ሃይ. መዝገበ ሃይማኖት ፡ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን
ግ.ሓ.. ግብረ ሓዋርያት
2ቆሮ. ካልኣይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ
ስብ.-ወን. ስብከተ ወንጌል፡ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ 6ይ
ገላ. መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ
ጴጥ. መልእኽቲ ጴጥሮስ
ኣሞ. ኣሞጽ ነቢይ
ቃል-ኣም. ቃል ኣምላኽ፣ ሰነድ ጉባኤ ቫቲካን 2ይ ፡ ብዛዕባ ግልጸትን ቅዱስ መጽሓፍን
ማዕ.ክህ. ማዕርገ ክህነት፡ ሰነድ ጉባኤ ቫቲካን 2ይ ብዛዕባ ምሥጢረ ክህነትን ኣገልግሎትን
ብተስፋ ድሒንና፡ ዓዋዲት መልእኽቲ በነዲክቶስ 16
ኤፌ. መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን
ቆላ. መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆላስይስ
ሮማ. መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮማ
ብር.ኣሕ ብርሃነ ኣሕዛብ፡ ሰነድ ጉባኤ ቫቲካን 2ይ፡ ብዛዕባ ምሥጢር ቤተክርስትያን
About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.