ኤርትራ ንኤርትራውያን ! ንመን ድኣ….? – ሻድሻይ ክፋል

ኤርትራ ንኤርትራውያን ! ንመን ድኣ….?

ሻድሻይ ክፋል

 ሓሙሽተ ክፋላት ጽሑፍ ኤርትራ ንኤርትራውያን ንመን ድኣ…? ከም መእተዊ ናብቲ ቀንዲ ዛዕባናን ገለ ገለ እዋናውያን ጉዳያትን ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ፡፡ ማዕረ እቶም ብወገነይ ዝቐረቡ መእተውን መረዳድእን ሓሳባት፡ ብብዙሓት ነበብቲ እዚ ጽሑፍ ዝቐረበ ርእይቶን ነቐፌታን ምኽርን እውን ጽሑፈይ ዕሙቀትን ስፍሓትን ንኽህልዎ ኣዝዩ ሓጋዚ ከም ዝኾነኒ ከዘኻኽር ይደሊ፡፡ ንኹሉኹም ኣብዚ ዘልዓልኩዎ ኣዝዩ ተኣፋፍን ትብዓት ዝሓትትን ጉዳይ ግሉጽን ሓቀኛን ሓሳባትኩም ዘፍሰስኩም ድማ ብልቢ የመስግነኩም፡፡ ስለዝኾነ ሻድሻይ ክፋል ጽሑፈይ ንገለ ካብቲ ዝመጻኒ ሕቶታትን ዘለዎም ስክፍታታትን ማዕሪኡ እውን ግጉይ መረዳእታን ኣመለኻኽታን መልሲ ክህበሉን ዝዓቕመይ ሓሳባት ወስ ከብለሉን ክፍትን እየ፡፡

እቲ ቀንዲ ሕመረት ኣርእስትና ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ንቓለስ ኣለና እናበልና ንደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ዘራጊቶ ነእትወሉ ኣለና፡፡ እንተስ ተገሪህና ሓደው ብፍላጥ ኮነ ኢልና ግጥምታት ጉጅለ ህግደፍ ዜማታት ቀይርና ንደርፍ ኣለና፡፡ ማዕረ ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ንሕና እውን ንንቑሓትን ብልህታትን ተቓለስቲ ክንቀትልን ክንቅንጽልን ንውዕል ኣለና፡፡ ኩልና መራሕቲ ኩልና ኪኢላታት ፖለቲካ ክንከውን ንፍትን ኣለና፡፡ ቃልሲ ዘመን ኣምጸኦ ዓይነት ፋሽን ኮይኑ፡ ቀንዲ ውራየን ገዲፈን ንሕድሕደን ዝተሃናኾታ ጉጅለታት ንፈጥር ኣለና፡፡ ካብ ስነ-ሓሳብ ኢሳይያሲዝም ብዘይፍለ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንሕና ንፈልጠልካን ንሓስበልካን ዝብሉ ንሰምዕ ኣለና፡፡ እንተስ ስምዒት ደሪኹና ሓደው ኮነ ኢልና ብፍላጥ፡ ቃልሲ ደምበ ተቓውሞ ንሕድሕዱ ምትእምማን ኣጥፊኡ፡  ክተሃናኾት መድሎ ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ንኸውን ኣለና፡፡ እታ መርዛምን ሓደገኛን ኢሳይያስ ካብ ፈለማ ምፍላይ ህዝባዊ ሓይልታት ዝዓጠቓ ቡምባ ድማ፡ እዛ ሕጂ ዜማ ተቐይርዋ ሪሚክስ ኮይና ክትጋዋሕ ንሰምዓ ዘለና ሰራም ደርፊ ኢያ፡፡ ሓደ ሃገራዊ ተሓላቕን ዋና ኤርትራን እቲ ሓደ ከዳዕ፡ ዘይሃገራዊ፡ ሸያጢ ኤርትራ፡ ኣውራጃዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ልኡኽ ኣመሪካን ኩርኩር መንግስቲ ኢትዮጵያ፡፡ እንተኾነ እቲ ሓቅን ጭቡጥ ክውንነትን ዘይራኸብ ሕቖን ከብድን ኢዩ፡፡

ዜርካ ዜርካ እቶም በሃልቲ ብዓውታን ብግህዶን ክብልዎ ንዝደልዩ፡ ቀጥታዊ ግብረ መልሲ ከጋጥሞም ምዃኑ ስለ ዝፈልጡ፡ ነቲ መሪር ዕረ መዓር ሸፊኖም ከቕርብዎ ኢዮም ዝፍትኑ ዘለዉ፡፡ ኤርትራ ንኤርትራውያን! ጉዳይና ባዕልና! ወያነ ናይ ታሪኽ ጸላኢና ኢዩ! ምስ ኣመሪካን ዓለምን ኢና ንዋጋእ ዘለና! ኣብ ልዕሊ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ወራር ዝፈጸመ ወያነ ኢዩ፡፡ ወያነ ካብ ባድመ ከይወጸ ናብ ኢትዮጵያ ምእታውን ኣብ ኢትዮጵያ ኮይንካ ምቅላስን ክድዓት ኢዩ! መንግስቲ ኢትዮጵያ ድኽምቲ ኤርትራ ክትህሉ ኢዮም ዝደልዩን ዝሰርሑን ዘለዉ! ወዘተ  ወዘተ ……..? ከምቲ ደጋጊመ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ክፋላት ጽሑፈይ ዘነጸርኩዎ ሕጂ እውን ብድሙቕ ከስምረሉ፡ ዝኾነ ይዕበይ ይንኣስ ፍልልያት ይሃልወና ኤርትራዊ ተቓላሳይ ንኤርትራ ክሸጣ ፈቲኑን ተሰማሚዑን ዘይኮነ ሓሲቡ እውን ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡ ከይሸጣን ከይልውጣን ክንጥንቀቐሉ ዝግበኣና ሓደ ኢሳይያስ ጥራይ ኢዩ፡፡ ሓደገኛነት ናይቶም በሃልትን ካባ ተቓወምቲ ዝወደዩ ካልኣይ ገጽ ኢሳይያሳትን እናኣሰተባሃልና፡ ሎሚ ንኽልተ ካብተን ብተደጋጋሚ ዝቐርባለይ ሕቶታት መልሲ ክህበሉ ክፍትን እየ፡፡ ቀዳማይ ጀማሪ ናይቲ ናይ ህልቂትን ዕንወትን ናይ ጽሉላት ኲናት መንʼዩ..? ማዕሪኡ ብኮሚሽን ዶብ ዝተዋህበ ይግባይ ዘይበሃሎ ብይን መሰረታዊ ፍታሕ ኣሚጺኡ ርግእቲ ኤርትራን ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያን ክህልዋን ክፈጥርን ይኽእልʼዶ..?

ቀዳማይ ጀማርን ሸርጣጥን ውግእ ብሰበብ ባድመ መንʼዩ..? ቀዲመ ኣብ ሳልሳይ ክፋል ጽሑፈይ “ሰብ ዝፈልጦ ድቓላ ሓኒቕክን ኣይትቕተላ ክብል አፍኢመ ነይረ እየ፡፡” ፈላሚ ናይቲ ዕቡድ ናይ ጽሉላት ኲናት ብምስማስ ባድመ ውግእ ዝጀመረ ኢሳይያስ ኢዩ፡፡ ኮይኑ ግን ኲናት ብባድመ ስለ ዝጀመረ ጠንቂ ኲናት ባድመ ወይ ዶብ ኮይኑ ኣይፈልጥን፡፡ ነዚ ዘረጋግጹልና ዘይተጀልሑ ጥረ ሓቅታት ብዙሓት ኢዮም፡፡ ኣብዚ ጉዳይዚ ብኣፍልጦ ዘይኮነ ብስምዒት ከመይ ቢልካ ውግእ ኤርትራ ጀሚራቶ ትብል..? ወራር ዝገበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዩ፡፡ ዝብሉ ከም ዘለዉ እፈልጥን እርዳእን እየ፡፡ ከምቲ ኣቦታትና ክምስሉ ዝብልዎ ፈሊጡ ዝደቀሰስ ነቕኒቕካዮ ነይሰምዕ ከኸውን ንዝደሊ ምርጭኡ ኢዩ፡፡ እቶም ሓቅታት ግን እዚኦም ኢዮም፡፡ እዚ ሓሳብ እዚ ቃል ብቓሉ ካብቲ ሓርበኛታት መራሕቲ ገድሊ ኤርትራ፡ ምስ ጸሓፊን ተመራማርን ታሪኽ መሓዛ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ፡ ኣመሪካዊ ዳነ ኮነል ዝተገብረ ዝርርብ ኢዩ፡፡ ደጊሙ ነቲ ሓቂ ክፈልጥ ዝደሊ conversation with Eritrean political prisoners ምውካስ ይካኣልʼዩ፡፡

“ብዛዕባʼዚ ቅልውላው ንባዕሉ ሰለስተ ኣርባዕ መዓልታት ምስ ሓለፎ እየ ሰሚዐ፡፡ ፈለማ ኣተኩሮና ንሃገርና ብንቡር ቅዲ ኲናት፡ ብኸመይ ንከላኸለላ ዝብል ኢዩ ነይሩ፡፡ ብድሕሪ መጋረጃ ዝነበረ ድርኺት ገና ክጽናዕ ዝግበኦ ኢዩ፡፡ ጠንቂ ኲናት ተባሂሉ ዝተዋህበ መግለጺ ብወገነይ ኣይዓገብኩሉን፡፡ ናብ ባድመ ወራር ክንፍጽም ውሳነ ዝወሰደ መን ምዃኑ ንባዕሉ ግልጺ ኣይኮነን፡፡ እዚ እውን ዜሩ ዜሩ ናብ ኣወሳስና ጉዳያት ኢዩ ዝመርሓና፡፡ ብቐዳምነት ኣብ ስትራቴጂካዊ ጉዳያት ናይ ሓባር ውሳነ ዝበሃል ኣይነበረን፡፡ ንኸምዚ ሕቶታት ዝርኢ፡ ካብ ሚኒስትሪታትን ክፍሊ ሓበሬታን ዝቖመ ትካል ሃገራዊ ጸጥታ ክሳብ ሕጂ የሎን፡፡” ቃል ሓርበኛ ኣብ ጸላም ማሕዩር እምባትካላ ዝተሰወአ ጅግና ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ፡፡ (ዕላል ምስ ኤርትራውያን እሱራት ፖለቲካ ገጽ 103)

“ኣብ ባረንቱ እንታይ ተፈጺሙ ኣብቲ ግዜʼቲ ዝፈልጦ ኣይነበረንን፡፡ እታ ጸሓፊቱ ንዓይን ንየማነ ማንኪን ኢሳይያስ ከም ዝደለየና ነጊራትኒ፡፡ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ምስ ከድና፡ ኣብ ባረንቱ ምክልኻል ኣይተኻእለን፡፡ ነዝልቕ ኣለና፡፡ እንታይ እንተገበርና ይሓይሽ…? ሕቡራት ሃገራት እንታይ ከሓግዙ ይኽእሉ.? ኢሉ ሓቲቱኒ፡፡ ዋእ ዝግበር የለን፡፡ ወያነ ንኲናት ዝኸውን መመሳመሲ ኣለዎም፡፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝኾነ ኩነኔ ኣይገብረሎምን ኢዩ፡፡”

     “ኣብ 98 ኤርትራ ብኢትዮጵያ ዝመሓደር ዝነበረ ቦታ ብሓይሊ ምስ ጎበጠት መንʼዶ ኮኒንዋ ኢዩ፡፡ እቲ መሬት ናይ ኢትዮጵያ ድዩ ናይ ኤርትራ ካልእ ሕቶ ኢዩ፡፡ የመሓድርዎ ስለ ዝነበሩ ብሰላም ለቒቕኩም ውጹ ኢሎምና፡፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንዓና ኣይኮነነናን፡፡ ስለዚ ሕጂ ንወያነ ዝኹኑኖም ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ የለን፡፡” ቃል ሓርበኛ ተጋዳላይ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ሕጂ ኣብ ጸልማት ማሕዩር ዒራዒሮ ተዓፊኑ ዘሎ ጅግና ሃይለ ወልደትንሳኤ ድሩዕ፡፡(ዕላል ምስ ኤርትራውን እሱራት ፖለቲካ ገጽ 119)

“ፈለማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ምስ ኮንኩ ሓደ ዎርክሾፕ ኣዳሊና ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ዘቲና፡፡ ብዛዕባ ተኣፋፊ ጉዳያት ሃገርና ዘቲና፡፡ ምስ ሰለስተ ሃገራት ጅቡቲ የመንን ኢትዮጵያን ኣብ ሽግር ክንህሉ ጽቡቕ ኣይኮነን፡፡ ባህሪʼዚ ጸገማት ነጽንዓዮ፡፡ ክንገብሮ ንኽእል እንተሎ ብኸመይ ከነወግዶ ከም ዘለና ንሕሰብ በልና፡፡ እቲ ሽግራት ግና በብሓደ ስዒቡ፡፡ ኩነታት ናብ ዝኸፈኣ ተሰጋጊሩ፡፡ ስለምንታይ ደንጒኹም ዝበሃል ዘሎ የዋህነት ኢዩ፡፡ ዝመጻና ሽግራት እናፈለጥና፡ ክሳብ ክንደይ ክንተዓጻጸፍ ንፍትን ምንባርና በዚ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ፡፡”

“ብዛዕባ የመን እንተኾይኑ ኣነ ብዕሊ ዝፈልጦ ነገር እውን የብለይን፡፡ ምስ የመናውያን እቲ ክርክር ነይሩ ኢዩ፡፡ ብዛዕባ ኲናት ግን ከም ሰበይ ጸኒሐ እየ ሰሚዐ፡፡ ሚኒስትሪና መጥፋእቲ ሓዊ ከም ዝበሃል ትፈልጥʼዶ…? ኢሳይያስ ቦምባ ይውርውር ንሕና ድማ ሓዊ ከነጥፍእ ንኣቱ፡፡ ቃል ሓርበኛ ተጋዳላይ ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ ኤርትራ ሕጂ ኣብ ጸላም ማሕዩር ዒራዒሮ ተዓፊኑ ዘሎ ጅግና ጴጥሮስ ሰለሞን፡፡ (ዕላል ምስ ኤርትራውያን እሱራት ፖለቲካ  ገጽ 129 – 130)

እዚ መርትዖታት እዚ ካብቲ ባሕሪ ጭቡጥ ሓቅታት ብማንካ ኢዩ፡፡ ነዚ ሐቅታት እዚ ንጸጋም ጎሲና ናበይ ኢና ክንከይድ ንደሊ ዘለና…? እቲ ብኢሳይያሲዝም ግናይ ስነ-ሓሳብ ዝደስከለ ርእስና ክሳብ ተራና በጺሑ ብመርዛም ሴፍ ኢሳይያስ ንቕንጠብ ኣይንሰምዕን ኣይንፈልጥን እንተኾይኑ ካልእ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ሸርጣጢ ኲናት ብምስማስ ዶብ ኣብ ባድመን ከባቢ ዛላምበሳን ቡሬ ዓሰብን ኢሳይያስ ምዃኑ ዕረ እናጠዓመና ንውሓጦ፡፡ ብፍላይ እተን ብወገን ባድመ ኣብቲ ውግእ ዝኣተዋ ክልተ ክፍላተ ሰራዊት ክፍለ ሰራዊት 2001 ከምኡ ውን ክፍለ ሰራዊት 161 ኣብ ቦታ ፍጻመ ስለ ዝነበርኩ፡ መነመን ኢዮም ነቲ ኲናት ዝመርሕዎ ዝነበሩ ከሳብ ኣዘዝቲ ቦጦሎኒ ዝነበሩ ሓለፍቲ ኣስማቶም ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ወተሃደራዊ ቁጽሮም ኣሰንየ ከውጽኦም ዘጸግም የብሉን፡፡ ብዓቢኡ ግን ኤርትራ ብመንገዲ ዕቡድ ደም ምፍሳስ ባህ ዝብሎ መራሒኣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ጀማሪት ውግእ ምዃና ብመገዲ ኮሚሽን ካሕሳ ተረጋጊጹን ኢዩ፡፡ እቶም ሕንኽ ዘይብሉ መራሕቲ ጉጅለ ህግደፍ እውን እወ ውግእ ባዕልና ጀሚርናዮ ክብሉ ክታሞም ኣንቢሮምሉን ኢዮም፡፡ ንሕና እቶም ከይረኣና ብምስማዕ ጥራይ ዝኣመና ስለምንታይ መዝገቡ ንዝተዓጽወ ጉዳይ ጥብቅና ንቖመሉ ዘለና፡፡ እዚ ሓደ ካብቲ ምንታዕ ዘድልዮ ሕበጣትና ኢዩ፡፡

ኣብ መጠረሽታ ካብ ቃላት ሓደ ካብ ገዳይም መራሕቲ ገድሊ ኤርትራ ዝኾነ፡ ሕጂ ኣብ ማሕዩር ዒራ ዒሮ ተዐፊኑ ዘሎ ሓርበኛ ተጋዳላይ ሃይለ ወልደትንሳኤ ድሪዕ፡ ከም ዘለዎ ብምስፋር እየ ጽሑፈይ ከዛዝሞ፡፡ “ወያነ ግንቦት 13 – 1998 ፓርላምኦም ካብ ዝኣከብሉ ዕለት ጀሚሮም፡ ዝነበሮም መግለጺ ሓደን ዘይቅየርን ኢዩ፡፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳርና ዝነበረ ዓድታት ብሓይሊ ወሪራትልና ኣላ፡፡ እንድሕር ብሰላም ዘይትወጽእ ኮይና፡ መሬትና ሓራ ክንገብር መሰል ኣለና፡፡ ዝብል ዘይቅየር ፖሊሲ ወያነ ኢዩ ነይሩ፡፡ ወያነ ንሰራዊት ኤርትራ ካብ ባድመ ደፊኡ ምስ ኣውጸኦ፡ ኤርትራ ካብቲ ዝተረፈ ወሪራ ሒዛቶ ዘላ መሬት ትውጻእ፡፡ ባድመ ክንብል እንከለና ነቲ ካልእ ዝተወረረ መሬትና ውን ዘጠቓልል ኢዩ ኢሎም ብንጹር ኣቖሚጦሞ ኢዮም፡፡ ዋላኳ ድሕሪ 6 ግንቦት ኤርትራ ልኡላዊ መሬተይ ኢዩ እንተበለት ቀዲሙ ወያነ ዘመሓድሮ ግዝኣት ኢዩ ነይሩ፡፡ (ዕላል ምስ ኤርትራውያን እሱራት ፖለቲካ ገጽ 119 – 120)   ሓቂ ተዛሪብካ መገዲ ባቡር ደቅስ ከምዚ ኢዩ፡፡ ሎሚ ነዚ ሓቂ ተቐኒትና ንመሰረታዊ ፍታሕ እጅገና ሰብሲብና ብትብዓት ምግጣም እምበር ኣብ ኢሳይያስ በሎ ተዘፊቕና ክንነብር የብልናን፡፡

ነቲ ኣዝዩ ተኣፋፊ ካልኣይ ሕቶ ኮሚሺን ዶብ ብዝሃቦ ብይን ምሕንጻጽ ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ መሰረታዊ ፍታሕ ኣምጺኡ ምርግጋእ ይፈጥርዶ…? ሕጂ ክነውሓና ስለ ዝኾነ እቕሬታ ኣብ ሻብዓይ ክፋል ብሰፊሑ ክንድህስሶ፡፡

ይቕጽል………………

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

[email protected]

Tele +251-921924501