ስርዓት ህግደፍ ንኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ጸሓፊኡ ሃብቶም ርእሶም ካብ ቤ/ክ ተዋህዶ ሰጒጉዎም

ስርዓት ህግደፍ ንኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ጸሓፊኡ ዝነበረ ኣቶ ሃብቶም ርእሶምን ካብ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ሰጒጉዎም ከምዘሎ ተረጋጊጹ ኣሎ። እዚ ስጉምቲ’ዚ ዝውሰድ ዘሎ፡ ኣቶ ዮፍታሄ ዲሜጥሮስን ቀሺ ሃብቶም ርእሶምን ካብ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ክእለዩ፡ ገዳማት ኤርትራ  ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ጥርዓን ድሕሪ ምቕራቦም እዩ። ገዳማት ኤርትራ ኣብ ዘቅረብዎ ጥርዓን፥ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ጸሓፊኡን ንዓሰርተ ዓመታት ዝተጎዓዝዎ ጉዕዞ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከቢድ ሃስያ ከም ዘውረዱ ብምጥቃስ፥ ኣብ ርእሲኦም ዳግማይ ውግዘት ስለዝገበረ፡ ስርዓት ህግደፍ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ከምዝወሰደ ዝረኸበናዮ ዜና ይሕብር።

ስርዓት ህግደፍ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰዶ፡ ድምጽን ጠለብን ገዳማት ኤርትራ ስለዘገደሶ ድዩ ? ንዝብል ሕቶ ንግዚኡ ንህዝብን ኣንበብትን ንሓድጎ። እቲ ሓቂ ግና ስርዓት ህግደፍ ባዕሉ ብዝመዘዞ ኣቶ ዮፍታሄ ዲሜጥሮስን ጸሓፊኡ ኣቶ ሃብቶም ርእሶምን ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ከቢድ ዕንወትን ጥፍኣትን ወሪዱ እዩ። ብሰሪ እዚ ዘይቅዱስ ኪዳን፡ ማእለያ ዘይብሎም ካህናት ካብ ቤተ ክርስቲያን ክስጐጉ እንከለዉ፡ መነኮሳት ድማ ገዳሞም ሓዲጎም ተሰዲዶም እዮም። በደል ዘይብሎም ካህናትን መነኮሳትን ፈቐዶ ቤትማእሰርትን ጎዳጉድን ይበልዩ ኣለዉ። ብሓፈሻ፡ ውሉድ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ካህናት ክዝኽትሙ፥ ኣንስቲ ካህናት ክልምናን ኣብ ሓደጋ ክወድቃን፥ ቤተ ክርስቲያን መኣዝና ክትስሕትን ክትከፋፈልን ተገይሩ እዩ። ኣብ ክንዲ ብፍቕሪ ምትሕቑቛፍ፥ ንኽስን ጸለመን ዝህንጠዩ ገርህታት መንእሰያት ብምውፋር፥ ንምዝራቡ ዘስደምም ገበን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተፈጺሙ እዩ። ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ሕጋዊ መራሒ ናይታ ፍርቂ ህዝቢ ኤርትራ ዝኽተላ ቤተ ክርትያን ተዋህዶ፡ ብዘይ ሕጊ ካብ መዓርጎም ወሪዶም ኣብ ማሕዩር ካብ ዝኣትዉ ድሮ ሸሞንተ (8) ዓመታት ኮይኑ ኣሎ።

ሎሚ ንጉሆ ዮፍታሄ ይኹን ሃብቶም ዘይተጸበይዎ፥ ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ምስ ኣተዉ፥ ጀነራል ኣብርሃ ካሳን፥ ሓላፊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኮሎኔል ሰመረ በይንን ብምዃን፥ ኣኼባ ከም ዘሎ መጸዋዕታ ኣመሓላሊፎም።

ኣብቲ ጳጳሳት፥ ዮፍታሄን ሃብቶምን ዝተሳተፉሉ፥ ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፥ ኣብ መግለጺኡ፥ “ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝብና ብሰንክኹም ፋሕፋሕ ኢሉ ገዳማትን ኣድባራትን ብኩሉ ስራሕኩም ጉህዮምን ሓዚኖምን እዮም። ስለዚ ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣብዚ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ከይትረኣዩ፥ ዘሎኩም ንብረት ብምዱብ ክሳብ ዝመሓላለፍ ኩሉ ተዓጽዩ ክጸንሕ ኢሎም ናይ ቃል መምርሒ ድሕሪ ምሃብ፥ ነቲ ጉባኤ ዛዚሞሞ።

ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ኮሎኔል ሰመረ በይንን፥ ምስ ዮፍታሄ፥ ሃብቶምን ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይን ኢድን ጓንትን ኮይኖም፥ ሞባኣን ሃብታን ክብዝብዙን ክዘምትኑ ዝጸንሑ፥ ጊዜን ኩነታትን ምስ ጸንከረ፥ ናይዚ ኩሉ ኣበሳን ገበንን ግዕዘይን ተሰከምቲ ነዞም ክልተ ሰባት በጊዕ ፋሲካ ገይሮም ነብሶም ነጻ ንምውጽእ ዝመሃዝዎ ተንኮል እዩ።

ህዝብና በዚ ክህመል ኣይግባእን፥ እቲ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኢዱ ካብ ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ዘየውጽአ፥ ነቶም ሕጋዊን ቅዱስን ፓትራይርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ቦትኦም ክሳብ ዘይመለሰ፥ ነገሩ ወጮ እንተ ገልበጥካዮ ወጮ፥ ስለ ዝኾነ፥ ዮፍታሄ እንተ ኸደ ካልእ ዮፍታሄ ይመጽእ። ዮፍታሄ ግበር ኣኽፍእ ጸይቕ፥ ኣእስር ጭወ ዝተባህሎ ገበረ እምበር ካብ ርእሱ ዝመሃዞ ኣይኮነን።

ህዝቢ ተዋህዶ ግን ናይ ሃማኖትና ግህሰት ክሳብ ዝዕገት ናይ ፓትርያርክና ምድፋርን ማእሰርትን ምዕለቢ ክሳብ ዝርከበሉ፥ እዞም ክልተ መንደዓት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዝባና ወሪዶሙላ ማለት ኩሉ ሕማማ ተወጊዱላ ማለት ከም ዘይኮነ ክግንዘብዎ ይግባእ።