መጋርጃ ይቀንጠጥ – 33 – ቦሎኛ!!!! ቦሎኛ!!!! ቦሎኛ!!!!!

መጋርጃ ይቀንጠጥ 33
ቦሎኛ!!!! ቦሎኛ!!!! ቦሎኛ!!!!!
ከተማ ናይ ኢጣልያ!!!! ቦሎኛ!!!!!!!!!!!!!!!

ቦሎኛ!!!መቓብር ወጻዕተኛ!!!!
ብሰብዓታት!! ነበረ ኣኼባታት!!!ቦሎኛ
ቃልሲ ክስስን!! ክድገፍ ንሓርበኛ
ዓቢ ምስ ንእሽቶ! ዝነብር ኣብ ወጻእተኛ
ኣገልገልት መራኻቢት ንዝነበረ ስደተኛ።

ቦሎኛ እንክጅምር ዘይጠዓየ!!
እከይነቱ ከም ዉሕጅ ዛረየ
ኣጸለምትን!! ጎሓላሉን!! ኣታተየ
ንደለይቲ ሓቂ ሃገር ዘጋገየ
ንኽንደይውን!! ስም ሰባት ኣዕነየ!!
ኣብ ጥልምትን!! ምትላልን!! ዝዘንበየ
ንኣሻሓትን!!ንብዙሓት!! ዜጋታት ዘንደየ
ንየዋሃት!!ወርቅን ዘሚቱ!! ደመን!! ዝሰተየ!!
ቀጸለ ዓመጻ!!ድሕሪ ነጻነት ንብረት ራሰየ።

ቦሎኛ!!!! ቦሎኛ!!!!ዝተገበረላ ተስፋ
ነበረት መራኸቢት ንተጋዳይን ብሃፋ
መስኮት ናይ ቃልሲ ትጽቢታ ብዓጸፋ
ድሕሪ ነጻነት ተረሲዓ በኒና ሃቲፋ
ጠፍኤት ንዓመታት!! ተቐልቀለት!! ሎሚ ተወቲፋ
ሓቅነት ዘይብሉ ስርሒት ዓዘፍዘፋ
ዉድቀት ህግደፍ ከተርእየና ደጋጊፋ
ሰማእታት ላምባዱሳ ኣቃልሔት ብዓጻጺፋ።
ቦሎኛ!!! ቦሎኛ!!!! መርዘን ደርጊ
ንደርጊ ኣእተኽሉ ሕንፍሽፍሽን ዘርጊ
ኣኼባኺ ኮይንዎ ተወርዋሪ ዘንጊ
ተጋዳላይ!! ቆርመዶ ብመድፍዕ ብሓለንጊ
ተሳዕረ!!ተማረኸ!!! ተሰደ!!! ሰርዊት ደርጊ
እንታይሞ!! ዝገደደ ነገሰ!! ኣብ ዓዲ ሕጊ።

ቦሎኛ!!! ቦሎኛ!!! ቦሎኛ!!ኣበሳሪት ጽንዓት
መንእሰይ ኤርትራ ተኣከበ ካብ ኩሉ ኩርንዓት
ኣብ ፕያሳ ማርጆረ!! ተሰሊፉ ኣብ ቅርዓት
ኣጋለጾም ንማፍያ ህግደፍ ዞም!! ነውራማት
ህዝቢ ቦሎኛ ደንገጸ ምስ ርኣየ ብዙሕ!!ንብዓት!!
ነገረሎም ንዓለም!! ኣውያት ናይ ዉጽዓት!!!
ኣብ ቫቲካንውን በጽሔ ኣውያት ኮነ!! ንብዓት።

 
ህግደፍ ፍሽለቱ ምስ ሰምዔ
መብራህቲ ኣብ ኤርትራ ኣብቅዔ
ቃልሲ መንእሰይ ለምለመ ጠጥዔ
ህዝቢ ተሓጎሰ!! ደጋጊሙ ኣጣቕዔ።

ቦሎኛ!! ቦሎኛ!!! ኣብሳሪት ጅግነትና
ፍናን ሃብዮም ጋንታ ስመር መንእሰይና
ዝሓሰብዎ ከምዝፍጽሙ ደጊምና ርኤና
ህዝቢ!! ከልካሊ ከምዘይብሉ ተዓዚብና
እንተድ ኣ!! ኣጥፊእናዮ!! ፍርሒ ካብ ቅድሜና
ክቕልጥፍ እዩ!! ጉዕዞ!! ንሃገርና!!!
የማነጸጋም!! ቁሊሕ!! ምሊሕ!! እናበልና!!
ክንምለስ ኩላትና ንዓድና!!ክንፍጽም ትምኒትና
ፍትሕን!! ስርዓትን!! ክንተክል ኣብ ሃገርና።

ቦሎኛ!!ቦሎኛ!!! ደጋጊምኪ ኣርዕድዮም
ዓመጽቲ ግዜኦም ከምዘብቅዔ ንገርዮም
ህዝቢ ከምዝተቐየም ኣብሪህኪ ኣስምዕዮም
ደው በለለይ ክብለጸልካ ከም ዘኽተመ ኣርእይዮም
ይኣክል!! ይኣክል!! ይኣክል!!!ከም ዝበለ ይረዳኣዮም
ጽሓይ ፍትሕን!! ስርዓትን ወገግ ከምዝበል ኣርድእዮም።

ዉድቀት ንማፍያ ህግደፍ!!
ፍትሕን ስርዓትን ይንገስ!!!

ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 13 ሓምለ 2014

 

 

 

መዋእል መብራህቱ፡ መልህቅ ኤርትራውነት!

መዋእል መብራህቱ፡ መልህቅ ኤርትራውነት!
ሃብተማርያም ኣብራሃ
ሎንዶን-ዓዲ እንግሊዝ 12 ሓምለ 2014

ሰብ ኣብዛ ዓለም ነባሪ ኣይኮነን። ኩሉ በብጽሕፍቶኡ ይሓልፍ ኢዩ። እገለ ዓሪፉ ኣብ ዝበሃለሉ እዋን ግን፡ ገለ ታሪኽ ወይ ውዕሎ ንምዝካር፣ ዝን ምባል ልሙድ ኢዩ። ቅድሚ ሒደት ሳምንታት መርድእ እቲ ሃገራዊ መልህቅ ኤርትራውነት ዝነበረ ነፍስ-ሄር መዋእል መብራህቱ ተሰሚዑ። ቅድሚ ኩሉ ንዕኡ ኣምላኽ መንግስተ-ሰማያት፡ ንስድራ ቤቱን ፈተውቱን ከኣ ጽንዓት ይሃቦም። ተኻፋላይ ረዚን ሓዘን ምዃነይ ከኣ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ክሕብር እፈቱ።

ሓደ ካብቶም ኤርትራ ዘፍረየቶም ብሉጻት ሃገራውያን ዝነበረ መዋእል፡ ጠሊ ይሕደግ። ንሱ ኣብ ግዜኡ ዝገበሮ ሃገራዊ ተወፋይነት ብዙሕ’ኳ እንተነበረ፡ ገለ ንእሽቶ ታሪኽ ነዚ ወለዶ እዚ ክንገር ዘለዎ ጉዳይ እንተሎ ግን፡ ትብዓትን ጅግንነትን መለለዪ ኤርትራውያን ምንባሩ ንምዝኽኻር ኢዩ። ሎሚ’ውን መንእሰይ ወለዶ ነቲ ናይ ቀዳሞት ኣቦታት ዝናር ጅግንነት ንክዓጥቆ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ከዘኻኽር እደሊ።

መዋእል፡ ኣዝዩ ህጣራራን ፍሉጥን ዝነበረ ዜጋ ኢዩ። ኣብቲ ንፓርላማ ዝወዳደረሉ ዝነበረ ግዜ፡ ህዝቢ ኣስመራ ንውዳሴ ዘይኮነስ፡ ብልክዕ ንምግላጽ፣ “…መዋእል መብራህቱ ኦፔል መዛወሪቱ፣ ኦሜጋ ሰዓቱ” እናበለ ይደርፈሉ ነበረ። ኣብ ህዝቡ ብዝነበሮ ጽኑዕ እምነት ድማ፡ ኣባል ፓርላማ ኮይኑ ኣገልገለ። ከም መብጽዕኡ፡ ካብ ዝተምርጸሉ ክሳብ ካብ ስራሕ ዝተሰናበተሉ ግዚ ድማ ንህዝቡ ብዝከኣሎ ዘገልገለ ዜጋ ኢዩ ዝንበረ።

ኣብ መፋርቕ ስሳታት፡ ንጉዳይ ሰውራ ኤርትራ ዝምልከት፡ ሓደ ጸገም ኣጋጢሙ ነበረ። ዋንነታ ናይ ቡልጋርያ ዝኾነት መርከብ፡ ስዉእ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ናብ ሜዳ ኤርትራ ዝለኣኾ ኣጽዋር ናብ ኢድ ዋናታቱ ተጋደልቲ ኣይበጽሐን። ብኤርትራዊ ካፕተን ሸክ መሓመድ ፋርስ ኣቢሉ ናብ ከባቢ ባጽዕ /እምባ ገደም/ ናብ ገማግም ንክራገፍ ምስ ቀረበ፡ ብሓሰውቲ ተፈሊጡ ስለዝነበረ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ እታ መርከብ ምስ ንብረታን ሰራሕተኛታት ኤርትራውያንን ተታሕዙ።

እቶም ምስ ንብረቶም ዝተማረኹ ኤርትራውያን፡ ካፕተን እታ መርከብ ዝነበረ 1.) መሓመድ ሸክ ፋርስ 2.)መምህር ዓብደላ ሳይቕ 3.) ማሕሙድ ሳበ ኢዮም ነይሮም። እቶም ሃገራውያን ምስ ተኣስሩ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ መን ብዛዕብኦም ከም ዝግደስ ንምክትታል፡ ንይምሰል ጠበቓ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ኣፍለጠ። ስለ ሃገራውነቶም ዝተኣስሩ ኤርትራውያን ጠበቓ ዝኾነሎም ተፈተሸ። ኩሎም ጠበቓታትን ናይ ሕጊ ክኢላታትን ብምኽንያት መእሰሪኦም ስለዝፈርሑ ግን ዝጣበቐሎም ሰብ ኣይረኸቡን። መዋእል መብራህቱ ሽዑ ምሁርን ናይ ሕጊ በዓል ሞያን ስለዝነበረ፡ ንገንዘብ ኢሉ ዘይኮነስ፡ ንክብሪ ናይቶም ሰብ ዝሰኣኑ ንብረት ገድሊ ኤርትራ ናብ ዋናታቱ ንምርካብ እናሰርሑ እንከለዉ ዝተኣስሩ ሃገራውያን ኣሕዋቱ ብትብዓት ጠበቓ ኮነ። ብክእለቱ ነቶም ሃገራውያን ኣሕዋቱ ተጣቢቑሎም ኢዩ።

እንተኾነ ኣብቲ ፍትሒ ዘይነበሮ ስርዓት መግዛእቲ፡ ብሞያኡ ተጣቢቑ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ስለዘይነበረ፡ እቶም እሱራት ክፍትሑ ኣይተኻእለን። ብኣናጹ’ኳ ደኣ ኣብ ሰምበል ነፍስ-ወከፎም ን25 ዓመታት ተፈርዱ። ጅግና ሃገራዊ መልህቅ፡ መዋእል መብራህቱ “ንወንበዴታት ጠበቓ ኴንካ” ብዝብል ምስምስ ንክእሰር ተወሰነ። ሻምበል ማቴዎስ ተኽለን መቶ ኣለቃ ምናሴ መድሕንን ዝተባህሉ፡ ንመዋእል መብራህቱ ካብ ገዝኡ ኣሲሮም ናብ ኣጂፕ ወሰድዎ። በዓልቲ ቤቱ ንጅግና መዋእል ብህጹጽ ናብ ጀነራል ዘርኢማርያም ጠርዐት። ጀነራል ዘርኢማርያም’ውን ኣገዳሲ ስጉምቲ ብምውሳድ፡ ተቐላጢፉ ናብ ማእከላይ እዚ ፖሊስ፡ ናብ ኣጂፕ ብድሕሪ ምዃድ፣ “ሓደ ሰብ ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ክእሰር ግቡእ ኣይኮነን” ብምባል፡ ነቶም ዝኣሰርዎ ቀልጢፎም ክፈትሕዎን፣ ብመኪና መንግስቲ ጌሮም ናብ ገዝኡ ንክወስድዎን ኣዘዞም።

ጅግና መዋእል መብራህቱ፡ ወላ’ኳ ማእሰርቲ እንተኣጋጠሞ፡ ካብ ዕላምኡ ሰጋእ ኣይበለን። መሊሱ’ውን ነቲ ሒዝዎ ዝነበረ ጉዳይ ጥብቅና ንኣሕዋቱ ቀጸሎ። ኣብ ካልእ ሃገራዊ ጉዳይ እውን መርገጺኡ ብንጹር ይገልጽ ነይሩ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ 60ታት ስርዓት ሃይለ ስላሴ “ዓሳታት ንምጽናት፡ ባሕሪ ምንጻፍ” ብዝብል እምነቱ፡ ንሰውራ ኤርትራ ክድምስስ ወሰነ። ቅድሚ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከኣ ኣብ መታሕት፡ ማለት ኣብ ቆላታት ኤርትራ ዝነብር ኣማኒ ምስልምና ኤርትራዊ ክጥፍእ ስለዝነበሮ፡ ሓደ እከይ ናይ ምጽናት ውጥን ኣውጸአ። ንኩላቶም ኣባላት ፓርላማ ኤርትራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣጸዊዑ ድማ ሓደ እቲ ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑን ኩላቶም ኣባላት ፓርላማ ክሰማምዑሉ ከም ዘለዎምን ኣዘዞም። ኣብ መታሕት ንዝነብር ኣማኒ ምስልምና ንምጽናት ፈርሙ ተባህሉ። ብዙሓት ድማ ተሰማሚዖም ኢዮም።

ነፍስ-ሄር መዋእል ግን “ኣነ ልዕሊ 100 ሽሕ ህዝቢ ኣስመራ ዝወከለኒ፡ ንክሰርሓሉን ንከገልግሎን ደኣ’ምበር፡ ህዝቢ ንከጽንት ኣይኮነን” ብምባል ኣሕዋቱ ንምጽናት ምፍራም ኣበየ። ኣብ ኣኼባ ፓርላማ ኢትዮጵያ፡ ንመጀመርያ ግዜ ነቲ ኣኼባ ከኣ ረጊጽዎ ወጸ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ማእከል ኢትዮጵያን ኣብ ቅድሚ ንጉስን ከማኡ ዝኣመሰለ ትብዓት ምውናን መለክዒኡ ልዕሉ ሃገራውነትን ጅግንነትን ጥራይ ኢዩ ዝነበረ።

ሽዑ ሃይለ ስላሴ ብውልቂ ጸዊዑ፣ “…ወንበዴታት ኣብ በረኻ ጥራይ ዘለዉ ይመለኒ ነይሩ። ሕጂ ግን ኣብዚ ኣብ ማእከልና ከም ዘለዉ ኣረጋጊጸ ኣለኹ” በሎ። እንተኾነ መዋእል ካብቲ ዝኣምኖ ሃገራዊ ጉዳይ ምንቕ ኣይበለን። ኩላቶም ኣባላት ፓርላማ በብዝተወከሉሉ ከባቢ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ከዱ፡ ብዘይካ ወካሊ ስመጃና ዝነበረ ይኩኖኣምላክ በላይ ካልኦት ነቲ እከይ ውጥን ተሰማሚዖሙሉ ነበሩ። ይኩኖ ኣምላክ ከምቲ መርገጺ መዋእል መብራህቱ ብምሓዝ፡ ህዝቢ ንከጥፍእ ኣይሰማማዓሉን እየ ኢሉ ኢዩ። ደድሕሪ መዋእል ብምስዓብ ከኣ፡ ንኣኼባ ፓርላማ ረጊጽዎ ወጸ። እቶም ብረት ንሰውራ ኤርትራ ከቐብሉ እንከለዉ ዝተታሕዙን ናብ ሰምበል ዝተኣስሩን ሃገራውያን፡ ብድሕሪ ኣስታት 10 ዓመታት፡ ምስቶም ብ1975 ካብ ሰምበል ብፈዳይን ተጋደልቲ ተ.ሓ,ኤ. ምትሕብባር ሻምበል ወልደሃይማኖት ተኽሎምን ናጻ ወጹ።

እቶም ሃይለ ወልደትንሳኤን /ድሩዕ/ ወልደዳዊት ተመስገንን ዝርከብዎም 700 ናይ ፖለቲካ እሱራት፡ ብሳላ ተወፋይነት ኤርትራውያን ብሰላም ወጺኦም። መሓመድ ሸክ ፋርስን ብጾቱን ከም ኩላቶም ኣብ ዓዲ ንኣምን ምስ ኣተዉ ምርጫ ተዋህቦም። ናብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንክስለፉ ስለዝመረጹ፡ ናብኡ ተፋነዉ። መዋእል መብራህቱ፡ ብድሕሪ ብዙሕ ሃገራዊ ቃልሱ ንወጻኢ ናብ ሃገረ ኣሜሪካ ኢዩ ተሰዲዱ ዝነብር ዝነበረ። ብወርሒ ግንቦት 2000 ዓ.ም. ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንሃገራውያን ኣገዳሲ ሰሚናር ኣካይዱ ዝነበረ ተባዕ ሃገራዊ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ሽዑ ዝገበሮ ሰሚናር፡ ንባህርያት ስርዓት ህግደፍ ብዘይ ነግ- ፈረግ ኣብሪሁዎ ኢዩ። ኢሰያስ ገበተ፡ ሃገር ዝገበተ፡ ህዝቢ ዝገበተ፡ ንብረት ዝገበተ፤ ብዘይ ሕጊ ዝገዝእ ዘሎ ውጹእ ምልካዊ ምዃኑ ብዘይ ጥርጥር ገሊጹ ከም ዝነበረ ብዙሓት ዝምስክርዎ ጉዳይ ኢዩ።

ስለዚ ሰብ ነባሪ ኣይኮንን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ታሪኽ ጅግንነት ዝፈጸመ ሰብ ኣብ ዝሓልፈሉ ግዜ፣ ታሪኹ ምትሕልልፍ ሃገራዊ ግቡእ ኢዩ። ሎሚ መንእሰይ ወለዶና፡ ነዛ ኣብ ትሕቲ መቑሕ ህግደፍ፡ ኣብ ምንጋጋ ኢሰያስ ዘላ ኤርትራ ናጻ ንከውጽኣ ከምዚ ዝኣመሰለ ስረ ንክዓጥቅ ለበዋይ አመሓላልፍ ኣለኹ። ኤርትራ ብከም መዋእል መብራህቱ ዝኣመሰሉ ጀጋኑ ዜጋታት ትልለ ዝነበረት ሃገር ኢያ። ሎሚ እውን ‘ንእሾኽ እሾኽ ተውጽኣ፡ ኣራግጻኻ ግን ኣይትቐይር’ ከም ዝበሃል፣ ኣጆኻ ኤርትራዊ መንእሰይ ስረ ኣቦታትካን ኣያታትካን ንምዕጣቕ ተዳሎ።

ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝበልኩዎ ደጊመ፡ ንመዋእል መብራህቱ ኣምላኽ ኣብ መንግስተ ሰማያቱ ይቀበሎ።

ናይ ደገፍ መልእኽቲ ህዝባዊ ምልዕዓል ሰሜን ኣሜሪካ

ናይ ደገፍ መልእኽቲ ህዝባዊ ምልዕዓል ሰሜን ኣሜሪካ

ንተባዕ መልእኽቲ ካቶሊካዊ ጳጳሳት ኤርትራ

ክቡራት ካቶሊካዊ ጳጳሳት ኤርትራ፣

ኣብ ትሕቲ ልዑል ኣምላኽ ንዝተዋህበኩም ሕድሪን ሓላፍነትን ኣብ ምሉእ ፍቕርን፣ ሓቅን፣ ፍትሕን ዝተመርኮሰ፣ ንልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ዝኹሕኩሕ መልእኽቲ ሕልናን ሓልዮትን ብምምሕልላፍኩም ክብ ዝበለ ልባዊ ምስጋናና ነቕርብ። ህዝቢ ብራዕዲ ተሸቑሪሩ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ሓይሊ ነብያትን ሓዋርያትን ተላቢስኩም፣ ድንብርጽ ከይበለኩም ረዚን መልእኽቲ ብዓውታ ንህዝብኹምን ንመላእ ዓለምን ከተቃልሑ ምብቃዕኩም፣ ኣድናቆትና እናገለጽና፣ ንትሕዝቶ መልእኽትኹም ምሉእ ደገፍና ንገልጽ።

ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ንዝብል ሕቶኹም ንምምላስ፣ እቲ “”ጀግና ሓላዪ ሓወይ” ስድራ ቤትና ከርህዋ: ገዛና መስተርሆት ዝመልኦ ሂወት ከተስተማቕር ብምሕሳብ: ስድራና ክገዝእን ገዛና ሓዊ ከእትወላ ምስ ዝመጸ ጸላኢ ጎሮሮ ንጎሮሮ ተሓናኒቑ ንጸላኢና ስዒሩ በጃ ሃገርና ሓሊፉ። መስዋእቱ ሓላል ኢዩ ኢልና ተቐቢልናዮ ጉዕዞና ጀመርና። ቁሩብ ክይሰጎምና ግን እቲ “”ዲያብሎስ ሓወይ ዝበሃል” ብሰይጣናዊ ናይ ስልጣን ህርፋን ዓይኑ ዓዊሩ፣ ንመሬትናን ንብረትናን ገቢቱ፣ ኣብ ልዕሊ ስድራና ዓመጽን ማእሰርትን ቅትለትን ጨካን ግፍዕታትን እናውረደ፣ ስድራና ንምብትታን ለይትን መዓልትን ይስህር ኣሎ። እዚ ኩነታት`ዚ ዘሻቐሎ እቲ “”ተባዕ ሓወይ” ናይ ዓመጽን መግዛእትን መንፈስን ኣካይዳን ይኣክል፣ ኣብ ስድራና ከኣ ፍትሕን ፍቕርን ሰላምን ይንገስ ስለዝበለ በቲ “ዲያብሎስ” ተጨውዩ ተወሲዱ ስለዝተሰወረ ሃለዋቱ አበይን ከመይን ከምዘሎ ኣይፈልጥን።

ጊላ ናይ ዲያብሎስ ክኸውን ዝተፈርደን ስድርኡ ከይናቢ ዝተኸልከለን “”ንኡስ ሓወይ” ከአ ቶባእ ደጊም ኢሉ ካብ ጊላነት ከምልጥን ስድርኡ ክረድእን ሃጽ ኢሉ እግሩ ናብ ዝመረሖ ይጠፍእ ኣሎ። አብ ዘይሓሰቦን፣ አብ ታሪኽ ደቂ-አዳም ተራእዩ አብ ዘይፈልጥ ዓዘቕቲ ሽግራት ተሽሚሙ፣ ኣብ ዝኸፍአ ስቅያት ይጭወ፣ ይቕጥቀጥ ኣካላቱ ተቖራሪጹ ከም ኣቕሓ ይሽየጥ ይልወጥ ኣሎ። እቲ “”ፈራሕ ሓወይ” ከአ ብጭካኔ ናይቲ ዲያብሎስ ሪዒዱን ጃጅዩን: ኣብ ክንዲ ንዘጋጠመ ሽግር ብብልሓት ክገጥሞ ዝፍትን ተዓዚሙ: ተዓዛቢ ዕንደራ ናይቲ ዲያብሎስ ብምዃን ኣብ ስቅያትን ሕሰምን ይነብር ኣሎ።: እቲ “”ፈታው ነብሱ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝነብር ሓወይ” ከአ እንታይ ገደሰኒ ዝዓይነቱ፣ ንሕሰም ኣሕዋቱን ስድርኡን ጸማም እዝኒ ሂቡ እናተዛነየ ይነብር ኣሎ።:

ክቡራት ጳጳሳት፣

መልእኽትኹም ንመላእ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብዘይ ነሓፍነት ሓቀይና ስእሊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ዘርኢ ብምዃኑ፣ ነቶም ሓኒቖም ሒዞምና ዘለዉ ሽግራት ካብ ሱር መሰረቶም ንምልላይን ንምእላይን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከም ዝህልዎ ምሉእ እመነት ኣሎና።

ጸጋታት ህዝብናን ሃገርናን ብቐንዶም ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና ብሉዑል ኣምላኽ ዝተባረኸ፣ ካብ ወለዶ ናብ ወሎዶ ዝተሰጋገረ፣ ካብ ሓልዮትን ስኒትን ፍቕርን ምክብባርን ዝተወልደ ፍትሓዊ ጸጋታት ህዝብና ኣበይ ኣተወ? ዝብል ሕቶ ጎድኒ ጎድኒ እቲ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ዝብል ሕቶ ክምለስ ይግባእ ንብል።

ፍትሓዊ ጸጋታታና፣ መሰረት ነጻነትናን ሓርነትናን ክንሱ ካብ ሱሩ እናተማሕወ ክስረዝ፣ ክብሪ ዜግነትና ክቕንጠጥ፣ ንሓሶት ከም ሓቂ፣ ንውርደት ከም ግቡእ፣ ንዓመጽ ከም ንቡር ጌርና ክንቅበሎ፣ ጉልበትናን ንብረትናን ሂወትናን – ንዕሱበ-ሰይጣን ምልካዊ ስልጣን – ክነረክብ ዝፈረድናን ዝቐሰበናን ኩነታት ይኹን ኣካል ብንጹር ምልላይ ኣድላዩ ይመስለና። ምንጪ ሽግራትና መሰረታዊ ጠንቆምን ንምልላይ ኩሉ ሸነኻዊ ፍተሻ ንምክያድ – መልእኽትኹም መብራህቲ ክኸውን`ዩ ዝብል እምነት ኣሎና።

ኣብዚ እዋን እዚ፣ እቶም ምንጪ ሽግራት ዝወለድዎም ሳዕቤናት ብኹሉ መዳያቶም ተተኲሶም፣ ህዝብን ሃገርን ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ከም ዝርከብ፣ ብምሉእ ትብዓትን ቅንዕናን ዘርዚርኩምልና። ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ፣ ብከቢድ መስዋእቲ ደቂ ለዋህ ህዝቢ ዝተረኽበ ሃገራዊ ነጻነትን ልዑላውነትን ኤርትራ፣ ሃገርና ኤርትራ መደበር ሰላምን ራህዋን፣ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ናይ ሓርነትን፣ ዜግነታዊ ክብርን፣ ፍትሕን ኣብነት ኣብ ክንዲ ዝኸውን፣ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝሓሰመ ሕስረትን፣ መወዳእታ ዘይብሉ ባርነታዊ ኣገልግሎትን ከርተትን ብምፍጣሩ መላእ ህዝብን ስድራቤታትን ኤርትራ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቖም ይርከቡ።

ከም ውጺኢቱ፣ ስድራቤታት ብዘይ ጠዋሪን ሓብሓቢን ንብዙሕ ዓመታት ግዳያት ናይ ሰብኣዊ ርህራሄ ዘይብሉ ጨካን ፖሊሲታት ኮይነን። እተን ምእንቲ ሃገራዊ ነጻነት ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ዝኸፈላ ስድራቤታት፣ ዓቕሚ ኣዳመ- ሄዋን ዝበጽሑ ደቀን ዳግም ጊሎት ምልካዊ ስልጣን ክኾኑ፣ ህጻውንትን ኣረገውትን ድማ ብዘይ ኣላዪን ክድርበዩ ተፈሪዶም። ኩሉ ሂወት ሃገር ተሓኒቑ፣ ቁጠባዊ መሓውራት ሃገር ለሚሱ፣ ማሕበራዊ ብልሽውናን ብዕልግናን ድማ ነጊሱ ይርከብ።

እቶም ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ኣገልግሎት ዝተጸምዱ መንእሰያት፣ ጸበባን ስእነትን ስድራበቶም ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ተገቲሩ፣ ናኣሽቱ እሕዋቶምን ኣረገውቲ ወለዶምን ተደርብዮም ክርእዩ ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ ምስ በጽሑ፣ ካብ ናይ ስድርኦም ጸበባ እናረኣዩ ዝሳቐዩ፣ መፍትሒ ንምርካብ ሃጽ ኢሎም ናብ ስደት የምርሑ ኣለዉ።

ስደት መሪር እዩ። ብፍላይ ናይዚ እዋን እዚ ስደት መሪር ዝገብሮ፣ እቶም ዝለዓለ ናይ ሞት ሓደጋ ሓሊፎም ዶብ ክሰግሩ ዝኸአሉ መንእሰያትን ቆልዑን ኣደታትን ኣብ ኣስካሕካሒ መጭወይትን መቕዘፍትን፣ እንስሳዊ ዓመጽን መቕተልትን ይወድቁ ኣለው። እቲ ዝኸፈአ ከኣ፣ ናውቲ ኣካላቶም ተቖራሪጹ ንመሸጣ ክወርድን ኣብ እንነብረላ ዓለም ከም ደቂ ሰባት ተኻላኻሊ ዘይብሎም ኣብ ዝኸድዎ ቦታ መጻወቲ ሸፋቱን ነጋዶ ሸይጥቲ-ሰብን ኮይንኖም ምህላውም`ዩ። ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ኣብ ምድረበዳታትን በረኻታትን ክሃልቁን ኣብ ባሕርታት ክጥሕሉን ይግደዱ አለዉ።

ህልቀት ላምፓዱሳ – ህልቀት 361 ኤርትራውያን መንእሰያትን ቆልዑን ኣዴታትን፣ ንዓለም ዘሰምበደ ሓደጋ እዩ። ህልቀት ላምፓዱሳን ኩሎም እቶም ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዘጋጠሙ ሓደጋታትን፣ ውጽኢትን ጽዑቕ መግለጺን ናይ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ሃለዋትን ሂወትን ህዝቢ ኤርትራ እዩ። “ሓውኻ ኣበይ እሎ? ዝብል ሕቶ፣ ዝወልዶም ዝዓበዩ ሕቶታት እምበኣር – ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ሃለዋት ኣሎ? ንሕና እቶም ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኣን እንርከብ ህዝቢኽ እንታይ ንገብር ኣለና? እንታይከ ክንገብር ይግበኣና? ዝብሉ ሕቶታት ንኹሉም ኤርትራዊያን ዜጋታትን፣ ትካላትን ገዚፍ ብድሆ እዮም።

ከምቲ ክቡራት ኣቦታትናን መማህራናን ዝበልኩምና፣ ሃገር ማለት ህዝቢ፣ ነጻነትን ልዑላውነትን ከኣ ናይ ህዝቢ እዮም። እቲ ዓይኑ ኣፍጢጡ ዝጥምተና ዘሎ ሕቶ እምበኣር – ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራን፣ ልዕልና ሕግን፣ ሓርነት ዜጋታትን ኣበይ ኣሎ? ዝብል እዩ። ልዑላውነት ህዝብን፣ ልዕልና ሕግን፣ ሓርነት ዜጋታትን ኣብ ኢድ ሓደ መራሒ/ጉጅለ ብምእታዉ፣ ርህራሄ ኣልቦ ሰይጣናዊ ምልካዊ መግዛእቲ ወሊዱ። ከም ውጽኢቱ ድማ ከቢድ ናይ ጽንተት ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ክብርቲ ሃገርና ህዝብናን ተንጠልጢሉ ይርከብ። እቲ ስዒቡ ዝመጽእ ሕቶ ከኣ፣ ናይ እዚ ከቢድ ሓደጋ ተሓታቲ መን እዩ? ዝብል እዩ። ብርግጽ፣ እቲ ንልዑላውነት ህዝቢን ልዕልና ሕጊን ሓርነት ዜጋታትን ዓምጢሩ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ዓቢ ሓላፍነት ከም ዝስከም ዘጠራጥር ኣይኮነን። ይኹን እምበር ኩሎም ዜጋታታ ኤርትራን ዓበይቲ ሃይማኖታዊን ህዝባዊን ትካላታን ምሁራትን ናይዚ ከቢድ ናይ ጽንተት ሓደጋ ተሓተቲ እዮም።

ነዚ ዓቢ ሓላፍነት እዚ ዘዘኻኽርን ዝመክርን ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣቦታትናን መማሃራናን ካቶሊካዊ ጳጳሳት ኤርትራ፣ ካብ ጸልማት ምልካዊ መግዛእትን ባርነትን ብምግልጋል ናብ ብርሃን ሓርነትን ፍትሕን ከመርሓና እናተመኔናን ብድጋሚ ክብርን ሞጎስን ንሓዋርያት ሓቅን ፍትሕን ሰላምን ዝኾኑ ኣቦታትናን መማህራናን ካቶሊካዊ ጳጳሳት ኤርትራ ነቕርብ።

ከም ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ተግባር ብስሙር ቃልሲን ትጉህ ህዝባዊ ምልዕዓልን ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ሓላፍነትና ክንፍጽም ይግባእ። ልዑል ኣምላኽ፣ ስሙር ቃልስናን ህዝባዊ ምልዕዓልናን ባሪኹ ናብ ፍትሕን ሓርነትን ሰላምን ቅሳነትን ክመርሓናን፣ ፍትሓዊ ልቦናን ዜግነታዊ ትብዓትን ጽንዓትን ከዕጥቐና ንምነ። ኩሎም ኤርትራውያን ዜጋታት ንተባዕ መልእኽቲ ክቡራት ኣቦታት ካቶሊካዊ ጳጳሳት ኤርትራ ብክፉት ልቢ ክቕበልዎን፣ ንኤርትራን ህዝባን ካብ ሓደጋ ጽንተት ንምድሓን ኣብ ስሙር ቃልሲ ህዝባዊ ምልዕዓል ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ብንጥፈት ክሳቱፉ ንጽውዕ።

ዓወት ንስሙር ህዝባዊ ምልዕዓል ንድሕነት ሃገር
ክብርን ዝኽርን ንጅጋኑ ንሰማእታት ኤርትራ
ኣወሃሃዲ ኣካል ህዝባዊ ምልዕዓል ንድሕነት ሃገር
ሰሜን ኣሜሪካ፣ 4 ሓምለ 2014

ኣስመራ ዘመነ ትንሳኤ!!

ኣስመራ ዘመነ ትንሳኤ!!

ሓውኻ ኣበይ ኣሎ…..? ሃዋርያዊ መልእኽቲ ኮቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ሎሚ ኣብ ኣእዛን ኩሉ ኤርትራዊ ዘቓልሕ ዘሎ ማዕበላውን እዋናውን ድምጺ ፍትሕን ሓርነትን ዝናፈቑ ውጹዓት ወገናት ኢዩ፡፡

ምሉእ ቱሑስቶ….ኣስመራ ዘመነ ትንሳኤ

 

ንዘይመውት ፈውሲ’ለዎ!

ንዘይመውት ፈውሲ’ለዎ!
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ 7/7/14

ከምቲ ‘ንዘይመውት ፈውሲ ኣለዎ’ ዝበሃል፡ ታሪኽናን ክብሪታትናን ከይሞተ እንከሎ፡ ሕጂ ፈውሲ ንድለየሉ። ካብዚ ሃገራዊ ቃና’ዚ ተበጊስና ኢና’ምበኣር ታሪኽናን ባህሊናን ንምዕቃብ ብኣዝዩ ንእሽቶ ዓቕምና ተበጊስና ዘለና። ሬድዮ ሕድሪ ሰማእታት፡ ነቲ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዝበታተን ዘሎ ኤርትራዊ ታሪኽ፡ ክብርታትን መንነትን ንምዕቃብ ዝተበገሰት ሃገራዊት ደወል ኢያ።

ሬድዮ ሕድሪ፡ ኣብ ዘመናዊት ኤርትራ ብደቀባት’ዛ ሃገር ንዝተፈጸመ ጅግንነት ወለድና፡ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ክልቲኡ ውድባት /ተ.ሓ.ኤ.  ህ.ግ.ሓ.ኤ./ ንዝተፈጸሙ ትዝታ ውዕሎታት ተጋደልቲን ህዝቢን ንምዝኽኻር ወላ ብዝነኣሰ ዓቕሚ ዝከኣላ ክትሰርሕ ኢያ። ሎሚ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ታሪኽና መመሊሱ ይሸራረፍ ኣሎ’ምበር ይመላላእ የለን። ከምቲ ‘ወዲ ፈረስ ኣውዲቑ ይድንግጽ፡ ወዲ ኣድጊ ከኣ ኣውዲቑ ይረግጽ’ ዝበሃል ምስላ ኣበው፣ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ንህዝብና ኣውዲቑ ዝረግጽን ዝረጋግጽን፡ ንታሪኽናን ክብርታትናን ናብ ዕዳጋ ሓራጅ ኣውሪዱ ከም ‘መርሑም ገድረክ’ ብላይ ክዳን ዝገበሮ፡ ባንዴራ ዝሰቐለ ወግዓዊ ሽፍታ ኢዩ።

ስለዚ ነፍስ-ወከፍ ዜጋ ነናብ ገዝኡ ንክምለስ ዘዝምልከቶ ዕዮ ገዛ ንክሰርሕ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ከነዘኻኽር ንፈቱ። እዚ ዕዮ’ዚ ቀሊል ኣይኮነን፡ እንተኾነ ግን ከምቲ ’መሬት ብሕዳሩ፡ ኦም ብገራሩ’ ዝበሃል፡ ሎሚ ብእዋኑ ታሪኽና ንምዕቃብ እንተተበጊስና ነቲ ነዊሕ መገሻ ብርግጽ ክንበጽሖ ኢና። ደጊምሲ! ነፍስ-ወከፍ ደላይ ጽቡቕ ሃገሩ በብዓቕሙ እንተተሳቲፍዎ፡ ዘይከኣል ነገር የለን። ሓንቲ ኢድ ንበይና ኣይተጣቖን ኢያ፡ ናብ ሸቶ ህዝቢ ንምብጻሕ’ምበኣር ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ንኺድ። ፍርሒ ይኣክል! ብፍርሑ ኣንቀጥቂጡ ናብ ከብዲ ኣዲኡ ዝተመልሰ የለን። እቲ ዘገርም ከኣ ብዙሓት ካብ ስርዓት ህግደፍ ሃዲሞም ኣብ ደገ ዘለዉ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር እንኮ ቃል ትሒም ዘይምባሎም ኢዩ። ገለ’ውን ኣለዉ፡ ካብ ብሱል ከም ጥረ፣ ካብ ናይ 1973 ናይ ‘መንካዕ’ ናይ 1976 ‘የሚን’ ምንቅስቓስ ዝሃደሙ፣ ኣብ ክፍሊ ሓለዋ ሰውራ ተቐጥቂጦም፣ ኣብ ቆርበቶም ሕላገት ኩርማጅ ኢሳይያስ ዘለዎም ክነሶም ክሳብ ሎሚ ትም መሪጾም።

ኣብ ፈነወ ሬድዮ ሕድሪ፡ እዚ ዝስዕብ መደባት ሒዝና ተበጊስና ኣለና።
ምዱብ ፈነወ፡ ሰሉስን ሓሙስን ብኣቆጻጽራ ኤርትራ ካብ ሰዓት 5 ድ.ቀ. ክሳብ ሰዓት 7 ምሸት ኢዩ። ኣብዘን ናይ ክልተ መዓልታት ምዱብ ፈነወ ከምዚ ዝስዕብ መደባት ኣሎና፡

  1. ኣብ ህሉው ጉዳይ ኤርትራ ዘተኮረ፡ እዋናዊ ሓተታ
  2. ጽላሎት ኤርትራ
  3. ዝወዓለ ይንገር
  4. ሞሶብ ጽሑፋትና
  5. ጻመውከ ለከንቱ
  6. ሌላ ምስ ኤርትራን ህዝባን
  7. ኣርካናት፡ ቅድሚ ዒራ-ዒሮ
  8. ግጥሚታትን መዘናግዒ መደባትን።

ብዘይካ’ዚ ምዱብ ፈነወ’ዚ ንኤርትራን ህሉው ስርዓት ህግደፍን ዝምልከቱ ጭቡጣትን እዋናውያንን ዜናታት ክንገሩ ኢዮም። ብ24 ግንቦት 2014 ዝጀመረ ሬድዮ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ፡ ን24 ሰዓታት ክፉት ኢዩ። ምዱብ ፈነወ ድማ  ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ማለት ሰሉስን ሓሙስን ብተቓለስቲ ንፍትሒ ካብ ሃገረ ካናዳ ብኢንተርነት ዝመሓላለፍ ናጻ ሬድዮ ኢዩ። ኣብ ናይ ቀዳም ፈነወና  ከኣ “ኣርካናት ቅድሚ ዒራ-ዒሮ” ዝብል መደብ ኣለና። እቶም ብስም ጉጅለ 15 ብኢሳይያስ ዝተኣስሩን ንኣሰቃቒ ሞት ዝተፈርዱን ደቀባት ኤርትራ፡ ቅድሚ ምእሳሮም ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ /1991-2001/ ዝነበሮም ፖለቲካዊ ንጥፈታት ንምዝኽኻር እዚ መደብ እዚ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ክቐርብ ኢዩ። ንዘይመውት ፈውሲ ኣለዎ!

ገበነኛ ስርዓት ህግደፍ ንንጥፈታት እቶም ኣርካናት ገድሊ ዝነበሩ ላዕለዎት መሪሕነት ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ታሪኾም ንምድምሳስ ካብ ኩሉ ጽላት መራኸቢ ብዙሓን ሓኺኹዎም ኢዩ። ከምኡ ከኣ 24 ሰዓታት ደርፊታትን ዜማታትን ብሄራትና ኣብዚ መደበር’ዚ ይፍነዉ ኣለዉ። ብካልእ ቃላት፡ ካብ 1960ታት፡ ሰብዓታትን ሰማንያታትን እንኮላይ ኣብ ዘመነ ገድሊ ክልቲኡ ውድባትን ክሳብ’ዚ እዋን’ዚን ብኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ዝፈረዩ ልዕሊ 6 ሽሕ ደርፊታት ሃገርና ኣብዚ /www.alenaforever.com/ ሰርቨር’ዚ ብቅደም-ተኸተል ይስምዑ ኣሉዉ።

ልዕሊ 23 ዓመታት ናይ ቃላት ኣድራጋ ጠያይት ተተኲሱ ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ ንምስዓር ክንዮ ቃላት፡ ብግብሪ ንስራሕ። ካብ ጸቢብ ውሻጠ ናብ ምድሪ-ቤት፣ ካብ ምድሪ-ቤት’ውን ናብ ገፊሕ ቅርዓት ንውጻእ። እቲ ደርፊ መን ደረፎ? እቲ ደራፋይ’ከ ኣበየናይ ውድብ ነበረ? ሎሚ’ኸ ኣብ ኤርትራ’ዶ ኣብ ደገ ይነብር ኣሎ? ዝብል መፍለዪ  ዶብ ምግባር ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ። ደምበ ተቓውሞ /ደለይቲ ፍትሒ/ ቅድም ቀዳድም ወግዓዊ ጽላል ወይ ዘመሓድሮ ባይቶ የብሉን። ወላ ከም ‘ቀጽሪ ናጽነት ኤርትራ’ መጠርነፊ እንተዝህልዎ’ውን ካብቶም ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ንክንደይ ሰባት ኢዮም ክቕበሉን ባጀላ ክህቡን? ንበዓል መን ኢዮም’ከ ዝኹንኑ ገና ዝተሓቑነን ዝጸዓየን ቶፈይቶ /ኣልባ/ የለን። ንሕና ኤርትራውያን ርሑቕ ከይከድና፡ ካብ ናይ ትማሊን ናይ ሎሚ ሶማል ክንመሃር እንተኽኢልና ጥራይ ምኣኸለ ነይሩ።

ስለዚ እቶም ብግዝያዊ ረብሓ ምስ ስርዓት ህግደፍ ወጊኖም ዘለዉ ስነ-ጥበበኛታት ኤርትራ፡ ልቢ ይሃቦም። ሕጂ ይወስኑ! ገለ ጽባሕ ንግሆ ንክእሰሩ ገመድ ተፋሒሱሎም ኣሎ። ገለ ከኣ ሃዲሞም ብሊብያ ንምስጋር ክፍትኑ እንከለዉ፡ ዕጫ ላምፐዱሳ’ውን ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ዝግ ኢሎም ንክሓስቡ በዚ ኣጋጣሚዝ ንላበዎም ኣለና። ህዝቢ ይዕዘቦም ከም ዘሎ ፈሊጦም፡ ሃገራዊ ውሳኔ ንክውስኑ ማዕጾ ደለይቲ ፍትሒ ክፉት ኢዩ። እምበኣር ኣተኩሮ ሬድዮ ሕድሪ፡ ንኩሉ ኤርትራዊ ስነ-ጥበባዊ ፍርያት ምቕራብ ኢዩ። ኣብ ዘመናዊት ኤርትራ ካብ ግዜ ፈደረሽን ክሳብ ሎሚ ብዜጋታትና ዝተዘየሙ ደርፊታትን ሙዚቃታትን ነዚ ዝዓርብ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ኣይውክሉን ኢዮም። ዝተዋጠየ እንተተዋጠየ ከኣ፡ ነዚ ከም ደርሆ ዓርቢ ስቕለት ዕምሩ ዝኣኸለ ዓርጓድ ስርዓት ኢንፍዩዥን ክኾኖ ኣይክእልን ኢዩ።

ክሳብ ሎሚ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ተዘርጊሖም ዘለዉ ዜማታት ብሄራትና፡ /ንኢሳይያስ ወይ ንህግደፍ ክሳብ ዘይወደሱ/ ምስምዖም  ሓራም ኣይኮነን። ከምቲ ላም ምራኻ ሞይቱ እንከሎ፡ ብዓረማ ትሕለብ፣ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ክብርታቱ መመሊሱ እናተቐብረ ሰኣን ምስትውዓል ብደርፊን ትዝታ ቀደምን ይዘናጋዕ ኣሎ። እቶም ካብ ዘመነ ገድሊ ክሳብ ሎሚ ዝፈረዩ ደርፊታት፡ ጽባሕ ኣብ ሓራን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ እውን ንምስምዖም ዝኽልክል ቅዋም ኣይክህሉን ኢዩ።

ንዘይመውት ፈውሲ ኣለዎ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ደርፊ  ዜጋታቱ ጾመ-ኣርበዓን፡ ጾመ-ሮሞዳንን የብሉን። ልክዕ’ዩ ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ሓዘን ኣጋጢሙዎ ዘሎ ተሃዋሲ ህሞት፡ ጨፈራን ዝላን ኣይመድለየን። ግን እዚ ስርዓት’ዚ ከምቲ ’ንገረብ ብሓኽላ’ ዝበሃል፤ ንሱ ተዓዛቢ ክኸውን ንሕና ከኣ ንሓድሕድና ብስም ጀብሃን ሻዕብያን ክንፋለስ፡ ኣብ ክንዲ ውቐይ ናብ ዕንኪላሎ ክንነብር ዘይመሃዞ ውዲት የለን።

ደርፊ፤ ከም ደርፊ መጠን፡ ንባህሊ፡ ንሃገር፡ ንፍቕሪ፡ ንሰብኣዊ ክብሪ ክሳብ ዝፈረየ፣ ሃናጺ ’ምበር ንእዝንኻ ዝኾኺ ሓጸልጸል፡ ወይ ኣዕጽምትኻ ዝሰብር መደረጋሕ ኣይኮነን።
እምበኣርከስ ክቡራትን ክቡራንን! ከምቲ ኔልሰን ማንዴላ፤ “ሃገር እንተዘየላ ኣይኮነን’ዶ ደው ኢልካ ትነብረሉስ፤ ኮፍ ኢልካ እትሓዝነሉ ባይታ’ውን ኣይርከብን ኢዩ” ዝበሎ፡ ታሪኽና እንተተባሕጒጉን ቀስ-ብቐስ እንተጠፊኡን፡ ብሂወት ክሳብ ዘለና ከምቲ ወዲ ሰብ ሓንሳብ ካብ ዓለም ምስ ተፋነወ ንዘለኣለም ሰቡ ዘይርኢ፡ ንሕና’ውን ከም ምዉታት ህዝብናን ሃገርናን እንርእየሉ መዓልቲ ኣይክህሉን ኢዩ። ምስ ሞትና እውን ኣብ ጎድኒ ኣቦሓጎታትና ንምቕባር ሓመድ ዓድና እንብቀቐሉ ግዜ ክኸውን ኢዩ። ስለዚ ህዝበይ! ኣብ ክንዲ ጽባሕ ዓሰርተ ሞት፡ ስለ’ቲ ዝጠፍእ ዘሎ መንእሰይ ወለዶ ሎሚ ሓደ ሞት ንሙማት ምርጫና ይኹን። እንተዘየሎ፡ እወ እንተዘየሎ! ንውሉድ ወለዶና ተጣዒስና ዘይንመልሶ ተርእዮ ክመጽእ ይኽእል ኢዩ።

ሬድዮ ሕድሪ፡ ሕልና ህዝቢና ንምድባስ ዝመሓላለፍ ዘሎ መቓልሕ ብድሆ ኤርትራውያን ኢዩ። ንዘይመውት ፈውሲ ኣለዎ። ነታ ኣብ ኣንፊ ሞት ዘላ ኤርትራ ንምድሓን፡ ኩላትና በብክእለትና ሎሚ ሳቮያ ንበል።

ደበሳ ኢዮብ ንህዝቢ ኤርትራ!