ሳሊና ሕድሪ’ያ!

ሳሊና ሕድሪ’ያ!

07 ሰነ 2014

ሕድሪ እዝጊ…ሕድሪ ጎሮሮኻ’ኳ ዝበሃል! መንእሰያት’ምበኣር ዘይተኸፍለ ዕዳ ኣለኩም። ኣብ ዝባንኩም ዘሎ ዕዳ ከኣ፡ ዕዳ ሕድሪ ሰማእታት ኤርታራ ኢዩ። ኣለኹም’ዶ? ተረከብቲ ታሪኽን ሃገርን ንስኻትኩም ኢኹም። ኣብዚ ሬድዮ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ምዱብ ፈነወ ጀሚራትሉ ዘላ ግዜ፡ ደሃይኩም ኣይተሓባእ! ቀንዲ ዕላማ እዚ ፈነወ እዚ ሃገራዊ፡ ነቲ መመሊሱ ዝሃስስ ዘሎ ታሪኽ፡ ባህላዊን መንነታውን መልክዕና ንምምላስ ኢዩ። ርእሰ መኣዝን እዚ ፈነወ እዚ ድማ ሓደን ቀንድን ንመንእሰያትና ታሪኻዊ ዕጥቂ ንምዕጣቕ ኢዩ። እቲ ምንታይ ናይ ታሪኽ ዕጥቂ ዘይብሉ ጉዕዞ ዝገብሮ ነገር ስለዘይህልዎ! ኤርትራ ብጽጋባታት መንእሰያት ህጣራ ዝነበረት ሃገር ብሳላ ጅግንነትን ተወፋይነትን ደቃ ናጻ ወጺኣ ኢያ።

‘ጨጓር ከልቢስ ኣሎ እናበሉዎ ሞተ’ ከም ዝበሃል፡ ሎሚ ድማ ኤርትራ ኣላ እናበልናያስ ንሞት ርብዒ ጎደል በጺሓ ትርከብ፡ እቲ ኣብ 1991 ዝነበረ ናጻ ምውጻኣ፡ ሎሚ ብሰንኪ ኣዕናዊ ስርዓት ህግደፍ ናብቲ ቅድሚ 1991 ዝነበረቶ ዘመነ እንክሒራ ተመሊሳ ኣላ። ሃገር ካብ ባርነት ናብ ናጽነት፡ ካብ ድሕረት ናብ ምዕባሌ ክትሰጋገርን ናብ ዳሕረዎት ትውልዲ ክትመሓላለፍን ተራ መንእሰያት ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብዚ ህዝቢ ብመደብ ዝጸንተሉ ዘሎ ግዜ፡ ታሪኽ ናይ ምስግጋር ጋግ ይፍጠር ኣሎ።ድሕሪኡ ከኣ መንነት ናይ ምስግጋር ጋግ ይስዕብ። እዚ ጋግ እዚ ሕጂ ብጸቢቡ ከሎ እንተዘይ ኣስጢምናዮ ድማ መመሊሱ እናገፍሐ ይኸይድ’ሞ፣ ደሓር ናብ ከተላግቦ ዘይትኽእል ዓቢ ቅራር ይቕየር። እቶም ዝስዕቡ ዘለዉ ዳሕረዎት ወለዶታትና ከኣ፣ ናይ ታሪኽን መንነትን ባዶሽ ኮይኖም ይተርፉ።

ጻማ ጀጋኑና ፣ ጻማ’ቶም ካብ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ክሳብ እታ ናይ መወዳእታ ድምጺ ኳሕ-ገም ኣብ ምሕራር ምልእቲ ኤርትራ ዝሓለፉ፤ ጻማ’ቶም ኣብ ሰጣሕ ጎላጉል ሳሊና ምስ ታንኪ ብቴስታ ዝገጠሙ ምዑታትና፤ ጻማ’ቶም ኣብ ኩሉ ግንባራት መስተንክር ዝፈጸሙ ሰብ ቅያ፣ ‘ጽውጽዋይ ወኻርያን በጊዕን ‘ ኮይኑ ክተርፍ’ዩ። ከምኡ ኮይኑ ዝተርፍ እንተኾይኑ ድማ “ጻመውከ ለከንቱ ኤሳው‘’ ማለት’ዩ።

ኣብቲ እምባ መግዛእቲ ብኳዕናኑ ዝነበረሉ ግዜ መንእሰይ እንተዘይብድህን እምቢ ኣይግዛእን ኢሉ እንተዘይዓጥቕን፣ ናጽነት ሕልሚ ምኾነት! ኤርትራ ኩላትና ከም እንፈልጦ ነዚ ብርሃን እዚ ንምርካብ ልዕሊ 65,000 ምሩጻት ደቃ ሞባእ ንናጽነት ከም ዝኸፈለት ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። እዞም ሰማእታት ሂወቶም ክትሓልፍ ከላ፣ ብድሕሪኦም ሃገር ዝሃንጹ ወለዶታት ከም ዘለዉዎም እናኣመኑ ኢዮም ተሰዊኦም። እምነቶም ኣብ መንእሰያት ረዚን፣ ጠመተኦም ናባኻትኩም ዓቢ ስለዝነበረ ከኣ ንመስዋእቲ ከም ልደት፤ ንቀብሪ ከም ጥምቀት ገይሮም ተቐቢሎሞ።

ኣብ ከምዚ ዘለናሉ ወቕቲ ድማ እቲ ውርሻ ብጽሑፍን ድምጺን ክመሓላለፍን ክትረኽን ይግባእ። ስለዝኾነ ከኣ’ዩ ፈነወ ሬድዮ ሕድሪ ይጽንሓለይ ዘይበሃሎ ዕዮ ኮይኑ ስርሑ ብንኡስ ዓቕሚ ዝጀመረ። መንእሰያት ከኣ ብተሳትፎኦምን ኣለና ብምባሎምን ሓበን ወለዶታት ንምዃን ዝርኣዩሉ ወቕቲ ሎሚ ኢዩ። እቲ ምንታይ ናይ ታሪኽ ሃጓፍ መታን ከይፍጠር’ሞ ናብ መኣዝን ዘይብሉ ኣንፈት ከይንጓዓዝ። መንእሰያት በብዘለዉዎ ከባቢታት ክውደቡን ንሓድሕዶም ክፋለጡን ዝሓለፈ ታሪኽ ኣቦታቶምን ኣያታቶምን ክፈልጡን ዓቢ ሃገራዊ ሓላፍነት ኣለዎም። መዓስ’ከ? ሕጂን ሎሚን።

ሬድዮ ሕድሪ ሰማእታት ካብ ትጅምር ክሳብ ሎሚ ኣብ እግሪ ኢያ ዘላ። ዝኾነ ሃገራዊ መልእኽቲ ዝሓዘለ ጽሑፋ ወይ መደረ፡ ብትግርኛ፡ ብእንግሊዝኛ ወይ ድማ ብዓረብ ንምቕባል ድሉዋት ኣለና። ካብ ዝሓለፉ ታሪኻት ጅግንነት ኤርትራውያን ንመበራበሪ ዝኸውን ፈነወ ይቃልሑ ኣለዉ። እዚ ዝቐርብ ዘሎ ታሪኽ ቃልስን ጅግንነትን ናይ ጎረባብትና ሃገራት ታሪኽ ኣይኮነን። ሃየ መንእሰያት ተራኹምን መንፈስኩምን ዕዙዝ ይኹን። ዋሕዝኹም ናይ በዳህቲ ዋሕዚ’ምበር፣ ናይ ተበትኮ ወሓዚ ኣይኹን። ከም ውሕጅ ክልተ ሩባ ክትሰራሰሩ’ምበር ከምቲ ኣብ ሑጻ ተሰትዩ ዝተርፍ ቅሁም ውሕጅ ክትኮኑ ኣይግባእን።

ንሎሚ ካብቲ ኣብ 1977-78 ኣብ ሳሊና ካብ ዝነበረ ከቢድ ጥምጥም ንእሽቶ ከም መማቕርቲ ከነቕርብ። እዛ ትርእዩዋ ዘለኹም ስእሊ፣ ኣብ 1977 ኣብ ጨው ሳሊና ናይ ዝተሰውአ ሓርበኛ ዜጋ ዓጽሚ ኢያ። ሽዑ ምዝላቕ ምስ ኮነ፣ ሬሳ’ዚ ሓርበኛ ኤርትራዊ ስለ መሬት ተወፍዩ። ከምቲ “እንኮ መዓልቲ’ላ ራህዋ እንረኽበላ” ኢሉ ዝደረፎ ወዲ ትኹል፣ እታ እንኮ መዓልቲ ዓወት ኣብ ሳሊና ተደጊማ። ባጽዕ ብዕለት 10/02/1990 ናጻ ምስ ወጸት ከኣ፣ ዓጽሚ ሓርበኛና ምስ ምልክት ሽዳ ኮራል ባሕሪ ቦቒሉዎስ፡ ኣብ ማዩን መሬቱን ኣዕሪፉ ዝተረኽበ ሓቀኛ ብሮት ጅግና ተረኽበ።

ዝኾነ ነገር ምስ ምንዋሕ ግዜ ይርሳዕ ይኸውን። ግና ገለ ዝኽርታት ፈጺሞም ካብ ኣእምሮ ዘይክወልሉ ግዜ ኣሎ። ኣብ ናትና ታሪኽ ክርሳዕ ዘይግብኦ ድማ ሰንሰለት ኣመጻጽኣ ብረታዊ ቃልስናን ኣረካኽባ ዓወትናን ኢዩ። ንሕና ከም ደቂ ኤርትራ ነቲ ዝሓለፈ ምረት ቃልስናን ኣመጻጽኣ ናጽነትናን እንተረሲዕና ግን ጉዕዞና፣ ጉዕዞ ናይቶም ኣፎም ተኣሲሩ ኣብ ዓውዲ መኸዳ ዝውዕሉ ቁሩናት ኣብዑር ክኸውን ኢዩ። እቲ ዝነበረ ከም ዘይነበረ ክመስል “ እምበር’ዶ ክሓልፍ’ዩ” ዝበሃለሉ ዝነበረ ገጻብ ጭንቂ ምስ ተዓዝረ “ሓሊፉ…ሓሊፉ” ጥራይ ኢልካ ምጥቓዕ ከንቱ-ውእቱ ኢዩ።

ኣብ 1977 ገለ ክፋል ከተማ ባጽዕ ናጻ ወጺኡ፣ ንዝተረፈ ክፋል ናይታ ከተማ ተቖጻጺርካ ናብቲ ሎሚ’ዶ ጽባሕ ናጽነት ዝበሃለሉ ዝነበረ ጉዕዞ መወዳእታ ቃልሲ ንምጽጋዕ፤ ካብ እንዳ ሚኪኤልን ሲነማ ኣይዳን ንቀጣን ገበይ ስጋለት ንምስጋር፣ መጥቃዕቲ ሳሊና ተኸፍተ። መንእሰይ ተጋዳላይ ናብቲ መኸወሊ ዘይነበሮ በራሕ ጎላጉል ሰምሃር ንዓርኪ ሕልፎት ከም ዝወርዱ ጎርዞ ጊላዋ እናዘለለን እናዓለለን ኣትዩ። ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ምረት ነዊሕዎ፣ መነባብሮ ከፊኡዎ ስለዝነበረ ኢዩ ድማ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ይከፈል ክንድቕደቕ ኣሎና ብምባል ንግሆን ምሸትን “ ህጁም” መሪጹ ጅግና። ብሳንጃ ኣብ ዝኾዓቶ ጉድጓድ ፣ ብታሕቲ ጠሊ ጨው ሳሊና፣ ብላዕሊ’ውን ኣብ ዕንጸይቲ ሰራው ከም ዝተሰኽተተት ሞቕሎ እትመስል ጸሓይ ተለብሊቡ ኤርትራዊ ተጋዳላይ።

ብዘይ ዕረፍቲን መብረን ብጥሙይ ከብድን ጽሙእ ጎረሮን ተተፍኒኑ። ኣብ ጉድጓድ ከም ወኻርያ ተቐቢሩ ንሽንቱ ኣብ ታኒካ እናኾፈ፤ ነቲ ከም ማይ ኣይሂ ካብ ጸላኢ ዝትኮስ ዝነበረ መዳፍዕን ኣድራጋ ጠያይትን ከም ዕጨ-እምኒ ነቀይ ከይበለ ኣብ ዝባኑ ኣዝሒሉዎ። ለይቲ ክታኾስ ይሓድር፣ ቀትሪ ክድብደብ ይውዕል። እቲ ስግንጢር መመሊሱ ድኣ ተሰገንጠረ’ምበር ፍታሕሲ ኣይተረኽበን። እቲ ግጥም ከኣ፣ ኣደራራስ ብቦምባን ፋሉልን ኮነ።

ቀጣን ገበይ ስጋለት ብቐሊሉ ትስገር ኣይነበረትን። ጸላኢ ንኹሉ ሻንብቆ ኣጽዋራቱ ናብታ ሓንቲ መስገሪት ኣቕንዖ። ናብ ኣፍ ደገ ስጋለት ቀጣን። እወ … ወይዛ ስጋለት ሎሚ ኣፍ ኣውጺኣ እንተትዛረብስ እንታይ’ኮን ምሰማዕና! ጸሓይ ንረሃጽ ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ ንኣንጉዕ ሰባት ወወሲዳ ንብዙሓት መንእሰየት ደቂ ኤረይ ብ “ኮልቦ ዲ ሶሎ” (ወቕዒ ጸሓይ) ኣንቀጸቶም።

ብመሬት ካብ ውሽጢ ባጽዕ ፣ብባሕሪ ካብ መራኽብ ኲናት፣ ብሰማይ ድማ ካብ ዕስለ ነፈርቲ ሚጋት ስራሓት ሶቭየት ዝትኮስ ዝተፈላለየ ዓይነት ኣጽዋር ንጎላጉል ሳሊና ናብ እሳተ- ጎመራ ቀይሩዎ ነበረ። ሓጻውን ንሓድሕዱ ምስ ተገጫጨበ ካብቲ መላጥ ጎልጎል ሃልሃልታ ናብ ሰማይ ይዓርግ ነይሩ እንተተባህለ ምግናን ይመስል! ደም ደቃ ከኣ ነቲ ዝነድድ ዝነበረ ሃልሃልታ ከም ማይ ቢምቦረ ኮይኑ ይርብርቦ ነበረ።

መንእሰይ እታ ዝኣምና መሬቱ መዕቆቢ ከልኣቶ። ነቲ ካብ ታንክታትን ካብ ናይ 76፣ 81- 82 104፣ 120፣ 122 ሚ.ሜ. መዳፍዓትን ሞርታራትን ዝትኮስ ዝነበረ ቦምባታት ብዘይካ ብቴስታ ምስ ሓጺን ምግጫው ካልእ ምርጫ ኣይነበሮን። እቲ ክስገር ዝነበሮ ወተሃደራዊ ምዕራፍ ክስገር ኣይተኻእለን። ተጻብኦ ሓይሉ። መስዋእቲ ከኣ ኣዝዩ በዝሐ። ኣብ ርእሲ እዚ ጸላኢ ንጎላጉል ሳሊና ማይ ባሕሪ ይፍንወሉ ስለዝነበረ፣ ተጋዳላይ ሙሉእ ሰብነቱ ኣብ ማይ ባድ ኮይኑ ከም ሳብ ማሪን ክዋጋእ ኣይከኣለን። ማይ ባሕሪ ብፍላይ ድማ ጋብላታት ሳሊና፣ ብደም ተጋዳላይ ተበለለ።

ሕብሪ እቲ ማይ ቀይሕን ሓበጀራዋይን ኮነ። ውጉኣት በቲ ጨው በቲ ድማ ኮልቦ ዲ ሶሎ ቀጥቀጦም። ግና “ዓወት ንሓፋሽ” እናበሉ ክስውኡ ይስምዑ። እወ “ ዓወት ንሓፋሽ!” እዚ ጭርሖ ተጋዳላይ መንእሰይ’ዚ ከምቲ ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙር 89፣ 1-2 “ ማያት ክሳዕ ነፍሰይ በጺሑ ኢዩ’ሞ ዎ ኣምላኽ ኣድሕነኒ… ናብቲ መርገጺ ዘይብሉ ዓሚቑ ሰልሚ ሰጢመ” ዝበሎ ይመሳሰል። ድሕነት ተጋዳላይ ከኣ ዓወት ህዝቡ ምዃኑ ስለዝኣመነስ “ዓወት ንሓፋሽ” ኢሉ ተሰዊኡ። ግጥም ተጋዳላይ ብንእሽቶ ዓቕሚ ምስ ዓቢ ጸላኢ ክነጻጸር ከሎ፤ ንውግእ ዳዊትን ጎልያድን ኢዩ ዝመሳሰል።

ኩሉ ነገር ጸበበ። መሬት ብገፋሓ ክነሳ ከም ዓይኒ መርፍእ ጸበበት። ኣብ ሳሊና ካብ ምጥቃዕን ምክልኻልን ፤ ምዝላቕ ተመርጸ። መንእሰይ ከም ቆጽሊ ገረብ ቀውዒ ረገፈ። ስለዚ እቲ ሓደ ኣማራጺ ‘ዝሓዝካ ሒዝካ ኣርክብ’ ኮነ። ምረት ውግእ ሳሊና ብጽሑፍ፣ ብደርፊን ግጥሚን ክግለጽ ተፈቲኑ’ኳ እንተኾነ፤ ጭልፋ ካብ ማይ ባሕሪ ኢዩ። ንገዛእ ርእሱ’ውን ምረት ጨው ሳሊና ከእምና ዘጸግሞ ዝነበረ መንእሰይ ተጋዳላይ፣ “ድሕሪ ሎሚ …” ኣይበለን። ስኑ ነኺሱን እጅገኡ ሰብሲቡን ድኣ ንቕድሚት መረሸ።

እነሆ’ምበኣር ዓጽሙን ሽድኡን ኣብቲ ጨው ጸኒሑ። እታ ባሕሪ ዋናታታ ስለ እተለሊ፣ ነቲ ዓጽምን ሽዳን ናብ ጸላእቲ ኣየረከበቶን። ከመይ ገይራ ከተረክቦ? ዋንኣ ተመሊሱ ከም ዝመጻ ኣረጋጊጻ ስለዝነበረት። ናይ መን ዓጽሚ’ኾን ይኸውን! መን ይፈልጥ ናይ ወድኻ…ጓልካ፣ ወድኺ…ጓልኪ፣ ሓውካ…ሓብትኻ፣ ሓውኺ…ሓብትኺ ፤ ናይ ሕጹይኪ ሰብኣይኪ… ሕጽይትኻ ሰበይትኻ፣ መማህርትኺ… መማህርትኻ፤ መምህርካ መምህርኪ… እንተኾነ’ኸ መንይፈልጥ…!

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

 

 

 

 

ፍትሒ፡ ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ እትሕተም መጽሔት ልሳን ማሕበር ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ኢንድያናፖሊስን ከባቢኣን

ፍትሒ፡ ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ እትሕተም መጽሔት ልሳን ማሕበር ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ኢንድያናፖሊስን ከባቢኣን እያ።

ዲሞክራሲ ኣብ ዘይሃለወሉ ሃገር ፍትሒ ክረጋገጽ ስለ ዘይከኣል ንፍትሒ ምቅላስ ማለት ንዲሞክራሲ ምቅላስ ምዃኑ ስነ-ሞጎታዊ ሓቂ ኢዩ። ንዲሞክራሲ ምቅላስ ክበሃል ከሎ ንህዝባዊ ስልጣን ምቅላስ ማለትእዩ። ማዕርነታዊ መሰልን፡ ግቡእን፡ ዜጋታት ኣብ ቅዋማዊ ሕጊ ምስ ዝኽበሩን ምስ ዝስርሓሎምን፡ ፍትሒ ኣሎ ክበሃልይ ከኣል። ፍትሒ ውጽኢት ዲሞክራሲ ካብ ኮነት፡ ብቀዳምነት ዲሞክራሲ ክህሉ ከኣ ልዑላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ክሕሎን፡ ክረጋገጽን የድሊ። ሓድነት ህዝቢ ከም ኣምር ምጭራሕ ዘይኮነ፡ ንሓድነት ህዝቢ ውሕስና ዝኸውን ፍትሕን ማዕርነትን ምስ ዝረጋገጽ እዩ። ፍትሕን ማዕርነትን ኣብ ዝተረጋገጸሉ ሃገር ሰላም ይሰፍን። ሰላም ኣብ ዝሰፈነሉ ከኣ፡ ህዝቢ ጸጋታቶም ብግቡእ ክጥቀመሉ ማዕጾ ስለ ዝኽፈት ቁጠባዊ ምዕባሌ ክረጋገጽ ይኽእል።

PDF: ምሉእ ትሕስቶ…

 

 

 

 

 

ሬድዮ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ምዱብ ፈነወኣ ጀሚራ

ሬድዮ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ምዱብ ፈነወኣ ጀሚራ

ሬድዮ ሕድሪ፣ ካብ ሃገረ ካናዳ ኣብ ሰሙን 3 ግዜ ማለት ሰሉስ፡ ሓሙስን ቀዳምን ብኣቆጻጽራ ኤርትራ ካብ ሰዓት 5 ድ.ቀ. ክሳብ ሰዓት 9 ምሸት ምዱብ ፈነወ፣ ካልእ መዓልታት ከኣ 24 ሰዓታት ዝተፈላለዩ ደርፊታት ክፍኖዉ ኢዮም። ብዘይካ ደርፊታትን ሙዚቃታትን ብሄራት ሃገርና እውን ዜማታት ሱዳንን ካልኦት መዘናጋዕቲ ሙዚቃታትን ክህልዉ ኢዮም።

እዚ ኣብ መበል 23 ናይ ናጽነት ዓመታት ዝተጀመረ መደብ እዚ፡ ነቲ ኤርትራዊ መንነት ኣጋጢሙዎ ዘሎ ሓደገኛ ፍግረ-መሬት ዝከላኸል ሃገራዊ ጀሪፍ ንክኸውን ንትስፎ። ንሕና ሎሚ ስለ ሕድሪ ሰማእታትና፡ ንዝተጨውየ ባህግና ንምምላስ፣ ንዳግማይ ትንሳኤ ኤርትራውነት ሱባኤ ንእቶ። ሬድዮ ሕድሪ፤ ኣዕኑድ ክብርታት ኤርትራ ሃገርና /ባህሊ፡ ያታ፡ እምነት፡ ስነ-ምግባር፡ ስነ-ጥበብን ታሪኽን/ ንምዕቃብ ዝከኣላ ንምግባር ተበጊሳ ኣላ። ኣብዚ ዘመን ህግደፍ፡ ሰረገላ ብቕድሚት፣ ፈረስ ከኣ ብድሕሪት ኮይኖሙሉ ዘሎ ህሞት፤ ሬድዮ ሕድሪ ኣብ ሙሉእ ዓለም ንዘሎ ኤርትራዊ ወለዶ፡ ብዝተፈላለዩ ሃገራውያን ዜማታት ማእኪላ ናይ ኩላተን ብሄራትና ደርፊን ያታን ንምዕቃብ ናብ ረዚን ሃገራዊ ማህሌት ኣሃዱ ክትብል ኢያ።

እቶም ብዝተፈላለዩ ስነ-ጥበበኛታት ሃገርና በብግዚኡ ዝፈረዩ ዜማታት፡ ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ደኣ እምበር ንማንም ውድብ ወይ ስርዓት ዝብጽሑዎ ኣይኮኑን። ናይ ህግደፍ ደርፊ፡ ናይ ህግደፍ ድራማ የለን። ህግደፍ ኣብ ዘመነ-ኣካሒዳ ዝተወልደ ሓድጊ ዘይብሉ ጭደል ኢዩ። ኩላቶም ስነ-ጥበባዊ ክብሪ ዘለዎም ባህልታት፡ ካብ ንዳእቲ ግራት ህዝቢ ዝተሓፍሱ፡ ኣብ ዳንዳን ቆፎን ህዝቢ ኤርትራ ዝፈረዩ ምህርቲ ብዙሓን ኢዮም።

ስለዚ ኩሉ ቅድምን ደሓርን ብደቂ ኤርትራ ዝፈረዩ ስነ ጥበባዊ ስራሓት፡ ግምጃ ህዝቢ ኤርትራ ኢዮም። ሬድዮ ሕድሪ፡ ላህጃ ብሄራትና ዝገልጹ ንሃገርን ሃገራውነትን፡ ስለ ፍቕሪን ጽንዓትን ዝተደርፉ ዜማታት፡ ኣውሎታትን ማሰታትን፤ ጥቕስታት ሓርበኛታት ኤርትራውያን፡ ጽሑፋት ቀደም ከምኡ እውን ንክብርታትና ዘላህምቱ ናይ ሬድዮ መዘናግዒ መደባት በብቋንቋኡ ንምዝርጋሕ ክትጽዕር ኢያ።ኣብ ፈነወ ሬድዮ ሕድሪ፡ ብድሕሪ ናጽነት ብዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ዝተዘየሙን: ኣብ ደገ ብደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዝተደርፉን ክቐርቡ ኢዮም።

ብዘይካ ሃገራዊ ደርፊታት፡ ነቲ መራሒ ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ በብዓመቱ ዘመሓላልፎ ዝነበረ ምስሉይን ብሓሶት ዝተላዕጠጠን ቃለ-መጠይቓት፡ ከምዚ ናይ ትማሊ ብተለቪዥን ብዛዕባ ቅዋም ዘቕረቦ መደናገሪ ባዶ ጥበራን ብመጽሔት ንዝተጻሕፈ ወቀጥ ድርዳር መደረ እውን ምስ ዝተፈላለዩ ምኩራት ደቂ ኤርትራ እናተራኸበት፣ ንሓቂ ካብ ሓሶትን ብድዐን መምያ፡ ከም ጸባን ማይ-ጨባን ንምፍላይ ክትጽዕር ኢያ። ኤርትራ ኣብ መጀመርታ ተስዓታትን እዋን ሚለንየምን ከመይ ትመስል ከም ዝነበረት፡ ብድሕሪ ኲናት ባድመን ማእሰርቲ ሓሽከት ዜጋታትን፣ ሎሚን ከመይ ትመስል ከም ዘላ ክዝርዘር ኢዩ።

ሬድዮ ሕድሪ ሰማእታት፡ ነቲ ኤርትራዊ ክብርታት ኣጋጢሙዎ ዘሎ ታሪኻዊ ስንክልና፡ ምርኩስን ዕርፊን ንምዃን ዝከኣላ ግደ ንምብርካት ክትሰርሕ ኢያ። እቲ ባህሊን ቅርስታትን ናትና ናይ ህዝቢ ንብረት ኢዩ። ጉጅለ ህግደፍ ግን ዘይንብረቱ ክነሱ ይሰርሓሉን ይነብረሉን ኣሎ። ንሕና ኤርትራውያን እምበኣር ነታ ኣቦታትናን ኣቦ ሓጎታትናን ዘመሓላለፉልና፤ ኣብ 30 ናይ ሰውራ ዓመታት ልዕሊ 65 ሽሕ ሂወት በራውር ደቂ ህዝቢ ዝተኸፍለላ፤ ከምኡ እውን ኣብቲ ህግደፍ ብስዉር ዝሸርጠጦ ኲናት ባድመ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሂወት ዝተኸፍለላ ሃገርና ወትሩ ከም ብሌን ዓይንና ክንሕልዋ፡ ምስንኻል ኣብ ዘጋጥመሉ ግዜ እውን ዋጋ ከፊልና ንዳሕረዎት ወለዶታትና ከነመሓላልፋ ሕድሪ ኣሎና።

ናይ ሕብረተሰብ ናይ ለውጢ ሓዋርያት ዝኾነ መንእሰይ፡ ነታ ከም ዑፍ መስቀል ንእንኮ ግዜ ጥራይ ዝተራእየት ሓርነት ናብ ንቡር ቦትኣ ንምምላስ፣ ንመሬቱ ናብ ተካእቱ ወለዶታት ንምውራስ ልዕሊ ኩሉ ጾር ኣለዎ። ከምቲ ነደቕቲ ዝነዓቑዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ ዝብሎ ቅዱስ መጽሓፍ፤ ዕላማ እዚ ፈነወ እዚ ድማ ብቐንዱ ንመንእሰይ ወለዶ ኤርትራ ብታሪኽን ክብሪታትን ዘማእዝን ኮምፓስ ክኸውን ኢዩ። ካብ 1991 መዓልቲ ናጽነት ክሳብ ሎሚ ንዘሎ ጉዕዞ ታሪኽ ኤርትራ ኣብ እንዕዘበሉ ግዜ፡ እቲ ንሃገር ከም ሃገር መጠን ደው ዘበሎ ሃገራዊ መቖምያታት በብዓመቱ እናዓነወ ይኸይድ ኣሎ።

ሬድዮ ሕድሪ ሰማእታት’ምበኣር ባህሊ፡ ያታ፡ ስነ-ጽሑፍ፡ ታሪኽ፡ ወ.ዘ.ተ… ዝብሉ ኣርእስትታት ሒዛ ናብ ኣየር ክትዝርጋሕ ኢያ። ኣብዚ ተኣፋፊ ግዜ፡ ነዛ ቅርሲ ኤርትራውያን ንምዕቃብ ትብገስ ዘላ ድምጽኹም ሬድዮ ሕድሪ፡ ኩሉ ዜጋ ብኢንተርነት፡ ብሞባይል፡ ኣይፓድ፡ ኣይፎን ወ.ዘ.ተ… ንክከታተላን ርእይቶኡ ንክልግሰልናን ንትስፎ። ምጅማር እዚ ዕዮ’ዚ ይጽንሓለይ ዘይበሃሎ ሃገራዊ ወፈራ ኢዩ።

ሬድዮ ሕድሪ፡ ብስካይፕን ተለፎንን ምስ ብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ፡ ሞያውያን፡ ምሁራትን ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ዘለዎም ኤርትራውያንን ዝርርብ ክትገብር ኢያ። ንዝሓለፈን ዘሎን ታሪኽን ጉዕዞን ኤርትራን ህዝባን ብሱል ዝርርብ ክግበር ድማ ዝከኣለና ምድላዋት ክንገብር ኢና። ተመኩሮኹም ናብ ሰማዕቲ ንምትሕልላፍ ብዘይ ምሕላል ክንሰርሕ ኢና’ሞ፡ ምትሕብባርኩም ከም ሞባእ ደብሪ ጌርና ክንርእዮ ኢና። ንርእይቶ ወይ ሕቶ፡ ወይ’ውን ዝኾነ ኣበርክቶ ንምግባር ብ www.alenaforever.com ወብ ሳይት ንክትረኽቡና፡ ወይ እውን ብፈይስ ቡክን ስካይፕን ብጽሑፍ ወይ ብድምጺ ሓበሬታኹም ንከተካፍሉና ንሕብር።

’ጉዕዞ ሽሕ ኪሎ ሜተር ብሓደ ስጉምቲ ኢዩ ዝጅመር’ ከም ዝበሃል፣ ናብቲ ብማዕዶ ዝረአ ዘሎ ጥርዚ ሓርነት ህዝቢና ንምብጻሕ ብሓደ ስጉምቲ ኣሃዱ ኢልና ንብገስ ኣለና። ከምቲ ውሉደ ክህነት ዝብልዎ፡ ንዝረቐቐ ከም ረጒድ፣ ንዝቀጠነ ድማ ከም ሓፊስ ጌርኩም ንክትርእዩዎ እውን በዚ ኣጋጣሚ እዚ ነዘኻኽር። ፈነወ ሬድዮ ብኢንተርነት ብዙሕ ሓላፍ-ዘላፍ ክህልዎ ኢዩ። ብዘይካ ተክኒካዊ ሕጽረት፡ ተመኩሮ እውን ንገዛእ ርእሱ ዓንዲ ማእከል’ዩ። ጉድለታትና ንምእራም ክንጽበ ኢና።

ንኺድ ከምዚ ሕጂ! ኣብ መንጎ መዶሻን ኡንኵዲኖን ንዝተቐርቀረ ስርዓት ማፍያ፡ ዕምሩ ንምሕጻር እወ ንኺድ። ዘይበሊ ነገር የለን፡ ውዒሉ ሓዲሩ ኣካይዳናን ድምጽናን ክሰምር ኢዩ! ነቲ ሽሕ ኪሎ ሜተር ከም ንበጽሖ፡ ንኣምን ኢና።

ደበሳ ኢዮብ ንህዝቢ ኤርትራ!
ሬድዮ ሕድሪ ሰማእታት።

 

 

 

 

 

ብምኽንያት ግንቦት 24 መዓልቲ ነጻነት፡ መግለጺ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ (ዲውብብኤ)

ብምኽንያት ግንቦት 24 መዓልቲ ነጻነት፡ መግለጺ
ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ (ዲውብብኤ)።

ግንቦት 24 ኣብ ታሪኽና ኣገዳሲን ፍሉይ ምዕራፍ ዝሓዘት፡ ብህዝብታት ኤርትራ ወትሩ እናተዘከረት እትነብር ክብርቲ ዕለት`ያ። ህዝብታት ኤርትራ ኣብ’ቲ ዝተናውሐ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእታዊ ዘካየድዎ ቃልሲ፡ ክቡር ሂወቱ ብምኽፋልን፣ ኣካላቱ ብምስልካል፣ ናብራኡ ብምዝንባል፣ ከርፈሕ ናብራ ስደት ተጻዊሩ ክትግምቶ ዘጸግም ብርሰት ንብረትን ጥሪትን ግዜን ከፊሉ ነዛ ክብትሪ ዕለት እዚኣ ጋህዲ ክትከውን ገይሩ፣ እዚ መዘና ዘይብሉ መስዋእቲ ተኽፊልሉ ዝሓለፈ ቃልሲ ዘረጋገጾ መኸሰባት ክብደቱ ምፍላጥን ምዕቃቡን፡ ኣብ ግብሪ ምትርጓምን ናይ ነፍሲ ወንከፍ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓላፍነት’ዩ። ብዓቢኡ ድማ ናይ መንግስቲ ይኸውን። እንተኾነ ፋሺሽታዊ ስርዓት ኢሳያስ ተጠሊምና ኣሎና። ነቲ ዝተጠልምናዮ ዲሞክራስያዊ መሰላትን ሕድሪ ስውኣትናን ዳግም ተቃሊስና ዝተማልኤ ሓርነት ክንጎናጸፍ ምስ ነብስና መብጽዓ እንሕድሰላ ክብርቲ ዕለት’ውን`ያ።

እዛ ሎሚ ንመበል 23 ግዜ እነብዕለላ ዘለና ማዓልቲ ናጽነት ሃገርና፡ ኣብ ቅድሚ ኣዝዩ ዘሰክፍ ድሙቅ ዝኮነ ታሪኻዊ ሓቅታት ደው ክንብል ተገድደና ኣሎና፡፡ ንሱ ድማ፤ እቶም ምእንቲ ህዝቦም ንሓንቲ ደቒቅ እውን ትኹን ነታ ክብርቲ ሂወቶም ከይ በቀቁ በጃና ዝሓለፉ ጀጋኑን ስውኣትን ከምኡ`ውን ኣካለ ስንኩላትን እናመጎስና ብኣኽብሮት እናዘከርና ብዓቢኡ ከኣ ንዝተጠልመ መብጽዓ ብምረት ምዝካርን’ዩ። ጀጋኑ ስውኣትና እቲ ምእንትኡ ክቡር ሂወቶም ዝበጀዉሉ ህዝብታት ብሄራዊ መንነቶምን ሰብኣዊ ክብሮም ተኻሒዱ፡ ልክዕ ከምተን ዝበዝሓ ኣብ 1960ታት ካብ ኢሮጳዊ ቀጥታዊ ባዕዳውያን መግዛእቲ ሓራ ዝወጻ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ካብ ህዝቢ ዝተነጸሉ መራሕቲ ኣብ 2014 ሃገርና እዚ ዕጫ ክበጽሓ ምርኣይና ብጣዕሚ ዝሕዝን እዩ። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብስራሓት ህዝባዊ ሰራዊት ክምካሕን ክጃሃርን ሽምማዊ ናጽነትን መዝሚዙ ንቡዙሓት ግሩሃት ዜጋታት ትርጉም ብዘይብሎም ዘብለጭልጩ ጭርሓታትን ሓረጋትን እንዳታለሌ ንረብሕኡ ከምዘውዕላን ንንቅሓት ህዝቢ ከም ዘጎድመላን ንሃልኪ ክምዝጥቀመላን ፍሉጥ እዩ።

ንልዕሊ 50 ዓመታት ብረታዊን ፖሎቲካውን ቃልሲ ተኻይዱ፡ ቅድሚ 23 ዓመታት ነጻ ዝወጸት ሃገር፡ ሎሚ ዜጋታታ መሬት ዓዲ’ቦ ክም ዕንቊ ጸቢባቶም፡ ሰብኣዊ ክብሪ ተረጊጹ፡ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ጊላነት ተቀይሮም ኣለው። ኤረትራውያን መንእሰያት እቶም ናይ መጻኢት ኤርትራ ተስፋ ክኾኑ ዝግባኦም፡ ሎሚ ዓቅሎም ጸቢብዎም ካብ መንጋጋ ስርዓት ፋሺስቲ ከምልጡ ገና መሬትን ዶብን ኤርትራ ከይ ሰገሩ ብኣራዊት ይብልዑ፡ ካብኡ ዝሓለፉ ድማ ኣብ ኢድ ጨካናት ይወድቁ ኣለው። ነዚ ኩሉ ተጻዊሮም ምስ እንተ ሰገሩ ድማ ኣብ ምድረ-በዳታትን ቃላያትን ክቕዘፍን ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ጎረባብቲ ሃገራት ሓታቲ ዘይብሎም ክሳቐዩን ንርኢ ኣሎና።

ኤርትራ ሕብረ-ብሄራዊት ሃገር እያ። ድሕሪ ናጽነት ንብዙሕነትና ማእከል ዝገበረ፡ ኣብ ማዕርነትን ጽኑዕ ህዝባዊ ደሞክራሲያዊ ትካላትን ክትህነጽ ትጽቢት ኩልና ኔይሩ። ህዝብታትና መንነቶም ቋንቕኦም ባህሎም ታሪኾም ተኸቢሩሎም ብማዕርነትን ብምክብባርን ምክእኣልን ብሓባር ጸጋታት ሃገር ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ረብሓታት ክጎስዑ ምተገብኤ። እዚ ግን ተኻሒዱ ወርቕን ካልእ እትዋት ሃገርን ኣብ ጅባ ፋሺስቲ ይኣቱ ኣሎ፡፡ ሎሚ ብሄርትን ብሄረሰባትን ኣብ ትሕቲ ዘስካሕክሕ ብሄራዊ ጭቆናን ኣድልዎን ደርባዊ ወጽዓታትን ይሳቀያ ኣለዋ፡፡ ሰርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንህዝብታትና መንነቶምን ህላወኦምን ክሒዱ፡ ቋንቋኦም፤ ባህልም፤ ክብርታቶም ረጊጹ፡ ኣብ መንጎኦም ነውሕ ግዜ ወሲዱ ዘተሃንጸ ሕውነታዊ ዝምድናን ምክብባርን ንምብታኹ ይጽዕር ኣሎ፡፡ ኣብ ክሊዚ ኢና ናይ ሎሚ ዓመት መበል 23 ናጽነት እነብዕላ ዘለና።
ብርግጽ ሎሚ፡ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ (ዲውብብኤ)እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮም ሃዋህው ንሃገርና ኣካቢቦማ ይሃልው፡ 24 ግንቦት መዓልቲ ነጻነትና ከነብዕል እንከሎና ነዚ ሕማቕ ከውንነት ክንቅይር፡ ተሪር ናይ ቅልሲ ንየት ዓትርና፡ ንቅድሚት ዓማዕዲና እንርእያ ሽግ ሓርነት ከም እንጎናጸፍ ኣይንጠራጠርን። ምስ’ዚ ድማ ኣብ ፍቶታዊ ሓድነት ህዝብታት ዝተመስረተት ዜጋታታ ዝኽብሩላ፡ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ክትምስረት ምኻና ኣሚኑ ዮሃና ንህዝብብታትና እናበለ ዝቃለስ ዘሎ።

ኣብ መወዳእታ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ (ዲውብብኤ)በዛ ክቡርቲ ኣጋጣሚ`ዚኣ ንኩሎም ንለውጢ ዝቃለሱ ሓይልታት፡ ንዘሎ ካልኣዊ ፍልልያት ንጎኒ ገዲፍና፡ ኣብ ክሊ ተመስሪቶም ዘለዉ ግንባራት ዓሲልና፡ ጸረ ቐዳማይ ጸላኢና ፋሺስታዊ ስርዓት ኢሳያስ ደው ክንብል ይጽውዕ።

 
ዮሃና ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ!!!
ዘልኣለማዊ ክብሪ ንጀጋኑ ስውኣትና!!
ዓወት ንደሞክራሲያዊ ቃልሲ ህዝቢታት ኤርትራ!!
ውድቀት ንፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳያስ!!
ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ (ዲውብብኤ)። 24 ግንቦት 2014
EMAIL: D.O.B.N.E, <[email protected]>

 

 

 

 

ንብስራት! ሬድዮ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ቀረባ መዓልታት ምዱብ ፈነወኣ ክትጅምር ኢያ።

ንብስራት!
ሬድዮ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ

ኣብ ቀረባ መዓልታት ምዱብ ፈነወኣ ክትጅምር ኢያ።

ኣብ ቀረባ መዓልታት፡ ሬድዮ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ጎድኒ እተን ሓርነት ንምድላይ ዘይሕለል ጻዕሪ ዝገብራ ዘለዋ ሚድያታት ደለይቲ ፍትሒ፡ ደው ክትብል ኢያ። ንሓቂ ካብ ሓሶት ንክትፈሊ ሃሰው እትብል ሬድዮ ሕድሪ ሰማእታት፣ ካብ ሃገረ ካናዳ ብኢንተርነት ምትሕልላፍ ክትጅምር ኢያ። እዚ ኣብ ዱሮ 23 ጓንጓ ናይ ናጽነት ዓመታት ዝጅምር ዘሎ መደብ እዚ፡ ነቲ ኤርትራዊ መንነት ኣጋጢሙዎ ዘሎ ሓደገኛ ፍግረ-መሬት ዝከላኸል ሃገራዊ ጀሪፍ ንክኸውን ከኣ ንትስፎ። ሎሚ ስለ ሕድሪ ሰማእታትና፡ ንዳግማይ ትንሳኤ ኤርትራውነት ሱባኤ ንእቶ።

ሬድዮ ሕድሪ፤ ኣዕኑድ ክብርታት ኤርትራ ሃገርና /ባህሊ፡ ያታ፡ እምነት፡ ስነ-ምግባር፡ ስነ-ጥበብን ታሪኽን/ ንምዕቃብ ዝከኣላ ንምግባር ትሸባሸብ ኣላ። ኣብዚ ዘመን ህግደፍ፡ ሰረገላ ብቕድሚት፣ ፈረስ ከኣ ብድሕሪት ኮይኖሙሉ ዘሎ ህሞት፤ ሬድዮ ሕድሪ ኣብ ሙሉእ ዓለም ንዘሎ ኤርትራዊ ወለዶ፡ ብዝተፈላለዩ ሃገራውያን ዜማታት ማእኪላ ናይ ኩላተን ብሄራትና ደርፊን ያታን ንምዕቃብ ናብ ረዚን ሃገራዊ ማህሌት ኣሃዱ ክትብል ኢያ።

ኣብዚ ብኢንተርነት ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ /ሰሉስ፡ ሓሙስን፡ ቀዳምን/ ዝፍኖ መደብ እዚ፡ ደርፊታት 60ታት፡ 70ታትን 80ታትን፣ ከምኡ እውን እቶም ዝተረስዑ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ክልቲኡ ውድባት ዝተደርፉ ዜማታት ክቐርቡን ክስምዑን ኢዮም። እቶም ብዝተፈላለዩ ስነ-ጥበበኛታት ሃገርና በብግዚኡ ዝፈረዩ ዜማታት፡ ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ደኣ እምበር ንማንም ውድብ ወይ ስርዓት ዝብጽሑዎ ኣይኮኑን። ናይ ህግደፍ ደርፊ፡ ናይ ህግደፍ ድራማ የለን። ህግደፍ ኣብ ዘመነ-ኣካሒዳ ዝተወልደ ሓድጊ ዘይብሉ ጭደል ኢዩ። ኩላቶም ስነ-ጥበባዊ ክብሪ ዘለዎም ባህልታት፡ ካብ ግራት ህዝቢ ዝተሓፍሱ፡ ኣብ ዳንዳን ቆፎን ህዝቢ ኤርትራ ዝፈረዩ ምህርቲ ብዙሓን ኢዮም። ስለዚ ኩሉ ቅድምን ደሓርን ብደቂ ኤርትራ ዝፈረዩ ስነ ጥበባዊ ስራሓት፡ ግምጃ ህዝቢ ኤርትራ ኢዮም።

ሬድዮ ሕድሪ፡ ላህጃ ብሄራትና ዝገልጹ ንሃገርን ሃገራውነትን፡ ስለ ፍቕሪን ጽንዓትን ዝተደርፉ ዜማታት፡ ኣውሎታትን ማሰታትን፤ ጥቕስታት ሓርበኛታት ኤርትራውያን፡ ጽሑፋት ቀደም ከምኡ እውን ንክብርታትና ዘላህምቱ ናይ ሬድዮ መዘናግዒ መደባት በብቋንቋኡ ንምዝርጋሕ ክትጽዕር ኢያ።

ኣብ ፈነወ ሬድዮ ሕድሪ፡ ብድሕሪ ናጽነት ብዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ዝተዘየሙን: ኣብ ደገ ብደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዝተደርፉን ክቐርቡ ኢዮም። ብዘይካ ሃገራዊ ደርፊታት፡ ነቲ መራሒ ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ በብዓመቱ ዘመሓላልፎ ዝነበረ ምስሉይን ብሓሶት ዝተላዕጠጠን ቃለ-መጠይቓት ተለቪዥንን መጽሔታትን እውን ምስ ዝተፈላለዩ ምኩራት ደቂ ኤርትራ እናተራኸበት፣ ንሓቂ ካብ ሓሶትን ብድዐን መምያ፡ ከም ጸባን ማይ-ጨባን ንምፍላይ ክትጽዕር ኢያ ። ከምቲ በይኑ ዝምጉት ዝረትዖ የብሉን፡ ንበይኑ ዝጎዪ ከኣ ዝቕድሞ የብሉን ዝበሃል፤ ንቃለ-መሕትታት ኢሳይያስ ክሳብ ሎሚ በዳሂ ግብረ-መልሲ ኣይተዋህቦን። ኤርትራ ኣብ መጀመርታ ተስዓታትን እዋን ሚለንየምን ከመይ ትመስል ከም ዝነበረት፡ ብድሕሪ ኲናት ባድመን ማእሰርቲ ሓሽከት ዜጋታትን፣ ሎሚን ከመይ ትመስል ከም ዘላ ክዝርዘር ኢዩ።

ካብ ሃገረ ካናዳ ዝፍኖ ሬድዮ ሕድሪ ሰማእታት፡ ነቲ ኤርትራዊ ክብርታት ኣጋጢሙዎ ዘሎ ታሪኻዊ ስንክልና፡ ምርኩስን ዕርፊን ንምዃን ዝከኣላ ግደ ንምብርካት ክትሰርሕ ኢያ። እቲ ባህሊን ቅርስታትን ናትና ናይ ህዝቢ ንብረት ኢዩ። ጉጅለ ህግደፍ ግን ዘይንብረቱ ክነሱ ይሰርሓሉን ይነብረሉን ኣሎ። ሬድዮ ሕድሪ ንብረት ህዝብና ናብ ዋናታቱ ንምምላስ፡ ዝከኣላ ንምግባር ክትብገስ ኢያ።

ታሪኽ ከም ዝምስክሮ፣ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘሎ ህዝቢ መንነቱ ንምዕቃን ዓደቡኡ ንምኽባርን ኢዩ ዝሰርሕ፡ ዝቃለስ፡ ዝዋጋእን ዝስዋእን ዝነበረን ዘሎን። ዓደቦ ከኣ ብታሪኽን ክብርታትን ዝላህመተት ተፈታዊት ጓል ሔማ ኢያ። ንሕና ኤርትራውያን እምበኣር ነታ ኣቦታትናን ኣቦ ሓጎታትናን ዘመሓላለፉልና፤ ኣብ 30 ናይ ሰውራ ዓመታት 65 ሽሕ ሂወት በራውር ደቂ ህዝቢ ዝተኸፍለላ፤ ከምኡ እውን ኣብቲ ህግደፍ ብስዉር ዝሸርጠጦ ኲናት ባድመ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሂወት ዝተኸፍለላ ሃገርና ወትሩ ከም ብሌን ዓይንና ክንሕልዋ፡ ምስንኻል ኣብ ዘጋጥመሉ ግዜ እውን ዋጋ ከፊልና ንዳሕረዎት ወለዶታትና ከነመሓላልፋ ሕድሪ ኣሎና።

እቲ ናይ ሕብረተሰብ ናይ ለውጢ ሓዋርያት ዝኾነ መንእሰይ፡ ነታ ከም ዑፍ መስቀል ንእንኮ ግዜ ጥራይ ዝተራእየት ሓርነት ናብ ንቡር ቦትኣ ንምምላስ፣ ንመሬቱ ናብ ተካእቱ ወለዶታት ንምውራስ ልዕሊ ኩሉ ጾር ኣለዎ። ከምቲ ነደቕቲ ዝነዓቑዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ ዝብሎ ቅዱስ መጽሓፍ፤ ኮምፓስ እዚ ፈነወ እዚ ድማ ብቐንዱ ንመንእሰይ ወለዶ ኤርትራ ብታሪኽን ክብሪታትን ዘማእዝን ክኸውን ኢዩ።

ካብ 1991 መዓልቲ ናጽነት ክሳብ ሎሚ ንዘሎ ጉዕዞ ታሪኽ ኤርትራ ኣብ እንዕዘበሉ ግዜ፡ እቲ ንሃገር ከም ሃገር መጠን ደው ዘበሎ ሃገራዊ  መቖምያታት በብዓመቱ እናዓነወ ይኸይድ ኣሎ። ሬድዮ ሕድሪ ሰማእታት ’ምበኣር ባህሊ፡ ያታ፡ ስነ-ጽሑፍ፡  ታሪኽ፡ ወ.ዘ.ተ… ዝብሉ ኣርእስትታት ሒዛ ናብ ኣየር ክትዝርጋሕ ኢያ። ኣብዚ መደብ እዚ፡ ካብ ቅድሚ ናጽነት ክሳብ ሎሚ ብዝተፈላለዩ ዜጋታትና ዝተጻሕፉን ዛጊት ናብ ህዝቢ ዘይተመሓላለፉን ኣገደስቲ ጽሑፋት ክንበቡ ኢዮም።

ኣብዚ ተኣፋፊ ግዜ፡ ነዛ ቅርሲ ኤርትራውያን ንምዕቃብ ትብገስ ዘላ ሬድዮ ሕድሪ፡ ኩሉ  ዜጋ ብኢንተርነት፡ ብሞባይል፡ ኣይፓድ፡ ኣይፎን ወ.ዘ.ተ… ንክከታተላን ርእይቶኡ ንክልግሰልናን  ንትስፎ። ምጅማር እዚ ዕዮ’ዚ ይጽንሓለይ ዘይበሃሎ ሃገራዊ  ወፈራ ኢዩ።

ሬድዮ ሕድሪ፡ ብስካይፕን ተለፎንን ምስ ብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ፡ ሞያውያን፡ ምሁራትን ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ዘለዎም ኤርትራውያንን ዝርርብ ክትገብር ኢያ። ንዝሓለፈን ዘሎን ታሪኽን ጉዕዞን ኤርትራን ህዝባን ብሱል ዝርርብ ክግበር ድማ ዝከኣለና ምድላዋት ክንገብር ኢና።

ተመኩሮኹም ናብ ሰማዕቲ ንምትሕልላፍ ብዘይ ምሕላል ክንሰርሕ ኢና’ሞ፡ ምትሕብባርኩም ከም ሞባእ ደብሪ ጌርና ክንርእዮ ኢና። ንርእይቶ ወይ ሕቶ፡ ወይ’ውን ዝኾነ ኣበርክቶ ንምግባር በቲ ቀጺሉ ዝስዕብ ወብ ሳይት ኣድራሻና ንክትረኽቡና፡ ወይ እውን ብፈይስ ቡክን ስካይፕን ብጽሑፍ ወይ ብድምጺ ሓበሬታኹም ንከተካፍሉና ንሕብር።

’ጉዕዞ ሽሕ ኪሎ ሜተር ብሓደ ስጉምቲ ኢዩ ዝጅመር’ ከም ዝበሃል፣ ናብቲ ብማዕዶ ዝረአ ዘሎ ጥርዚ ሓርነት ህዝቢና ንምብጻሕ ብሓደ ስጉምቲ ኣሃዱ ኢልና ንብገስ ኣለና። ከምቲ ውሉደ ክህነት ዝብልዎ፡ ንዝረቐቐ ከም ረጒድ፣ ንዝቀጠነ ድማ ከም ሓፊስ ጌርኩም ንክትርእዩዎ እውን በዚ ኣጋጣሚ እዚ ነዘኻኽር። ፈነወ ሬድዮ ብኢንተርነት ብዙሕ ሓላፍ-ዘላፍ ክህልዎ ኢዩ። ብዘይካ ተክኒካዊ ሕጽረት፡ ተመኩሮ እውን ንገዛእ ርእሱ ዓንዲ ማእከል ስለዝኾነ፤ ጉድለታትና ንምእራም ክንጽበ ኢና።

ንኺድ ከምዚ ሕጂ! ኣብ መንጎ መዶሻን ኡንኵዲኖን ንዝተቐርቀረ ስርዓት ማፍያ፡ ዕምሩ ንምሕጻር እወ ንኺድ። ዘይበሊ ነገር የለን፡ ውዒሉ ሓዲሩ ኣካይዳናን ድምጽናን ክሰምር ኢዩ! ነቲ ሽሕ ኪሎ ሜተር ከም ንበጽሖ፡ ንኣምን ኢና።

ደበሳ ኢዮብ ንህዝቢ ኤርትራ!
ሬድዮ ሕድሪ ሰማእታት።

15/ግንቦት/2014