ኤርትራ ንኤርትራውያን ! ንመን ድኣ….?

ኤርትራ ንኤርትራውያን ! ንመን ድኣ….?

ሓቂ ኣብዘይ ግዚኡ ሓሶት ኢዩ፡፡ ነዚ ኣርእስቲ እዚ ወሲደ ንኽጽሕፍ ዘገደደኒ ነገር እንተሃልዩ ብዙሕ እዩ፡፡ ሎሚ ንኹሉ ሓደ ብሓደ ክዝርዝሮን ክኣትዎን ኣይደለኹን፡፡ እቲ ምንታይ ሓቂ ኣብ ዘይ ግዚኡ ሓሶት ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ነቲ ናይ ሓምሳ ዓመታት ዝተመስረሐ ትያትሮታት ኢሳይያስን ደቂ ዕቁቡን ኣፍና መሊእና እዚዩ እቲ ሓቂ ክንብል፡ ዘመነ ምስማዕን ምጽሓፍን ምዝራብን ዘመነ ሓቂ ዝግለጸሉ ግዜ፡ ርሑቕ ኣይክኸውንን ኢዩ፡፡ ኢሳይያስን እቶም ፍረ ክርዳድ ኢሳያስን ዝኾኑ ሃሱሳቱን ግን ንህዝቢ ጥራይ ዘይኮኑ ዘጽንቱ ዘለዉ፡ ታሪኽና እውን ንሶም ብዝደልይዎ ሰናኒዖሞ ኢዮም፡፡ ነዊሕ ዓመታት ብዝተሰናነዐ ሓሶት ታሪኻት ኣእዛኑ ጸሚሙ የዒንቱ ንዝዓወረ ህዝቢ ሎሚ ኣብዘይ ግዚኡ እቲ ሓቂ እዚዩ እንተበልካዮ፡ ግር ክብሎን ኣይ ኣይፋልኩምን ክብልን ከም ዝኽእል ርግጸኛ እየ፡፡ ስለ ዝኾነ ነቲ ኩልና ንደልዮን ንብህጎን ዘመነ ሐቂ፡ ዘመነ ፍትሒ፡ ዘመነ ሓሳብካ ብዘይፍርሂ ትገልጸሉ ርሑቕ ዘይኮነ ግዜ ንሽዑ ክገድፎ፡፡ ዝተወሰነ ንእሽቶ ሓሳበይ ግን፡ ነቶም ኤርትራ ንኤርትራውያን ኣብ ዝብል ብደምናን ድምጽናን ዘረጋገጽናዮ ሓቂ፡ ጅሆ ተታሒዞም ኣብ ድንግርግር ኣትዮም ድንግርግር ዘብሉ ዘለዉ ገለ ክብሎም፡፡

ብሓቂ ዲና ነዛ ብኣእላፍ ኩቡር መስዋእቲ ብሉጻትን ብድምጺ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራን ናጽነታ ዘረጋገጸት ሉኡላዊት ሃገር፡  ገለ ኮትሮማንዲስታ ሰባት ከይሸጥዋን ንኢትዮጵያ ብፍላይ እውን፡ ነቲ ኣብ መልሓስ ብዙሓት ህግደፍ ዝወቀጦ ወያነ ኣሕሊፎም ከይህብዋን ንፈርሕን ንስከፍን ንጠራጠርን ዘለና…..? እዚ ኢሳይያስ ዝዘረኦ መርዚ ግን ከኣ ናይ ዓያሹ ትያትሮ፡ ንዓና ንኤርትራውያን ክሳብ ክደይ ኣዓሺዉናን ኣገሪሁናን ሎሚ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ በሪሁልና ክኸውን ተስፋ ይገብር፡፡ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብል ግዚኡ ዝሓለፎ መሪሕ ጭረሖ ተሓንጊጦም፡ ቋንቋ እቲ ንጥፍኣትና ዝሰርሕ ዘሎ ዝደግሙ ግሩሃት ተቓለስቲ፡ ወይ እውን ኮነ ኢሎም ኣብ ሓሸውየ ክንነብር ዝደልዩ መሳርሒ እቲ ስርዓት ዝኾኑ ሃሱሳት፡  ንኤርትራዊ ሕብረተሰብ በቃ ከምታ ዘለዋ እናሰሓቐ ውሕጅ ጥፍኣት ህግደፍ ክወስዶ ይሰርሑን ይገብሩን ኣለዉ፡፡ ሎሚ ኣብቲ ዝኸፈአ መድረኽ ኢና ንርከብ ዘለና፡፡ ስለ ዝኾነ እቲ ኢሳይያስን ሃሱሳቱን ዝደረስዎ ትያትሮ ክንመራመረሉ ይግባእ፡፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ኮይና ኢያ፡፡ ሕቶ ኤርትራ ንኤርትራውያን ብመስዋእትናን ድምጽናን ኣብ ቅድሚ ተዓዛብነት ሕቡራት ሃገራት መኸተምታ ጌርናሉ ኢና፡፡ ኤርትራ ናይ ዋናታታ ኤርትራውያን ኮይና ኢያ፡፡ ኣርባዕተ ነጥቢ፡፡

ሃዋርያዊ መልእኽቲ ጳጳሳት ኮተሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ስለምንታይ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ ዝብል ኣርእስቲ ሰይሞም ነቲ ኣዝዩ ረዚን ሓሳብ ናብ ህዝቢ ዘርጊሖሞ ደጋጊምና ንመርምሮ፡፡ እቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን ክትከውን ግንባሩ ዝሃበ፡ ዝተሰወኣ፡ዝሰንከለ፡ ዝኸርተተ፡ ኣቡኡን ኣዲኡን ንስለ ኤርትራ ሞባእ ዝኸፈለ ወዲስዉእ፡ እቲ ወላድ መኻን ዝኾነ ስድራቤታት ኩሉ ኣበይ ኣሎ…..? እዚ ንብሎ ዘለና ሕጂ ካብታ ዝፈትዋ ዓዱ መሪርዎ፡ ጨኒቕዎ ብጅምላ  ዝስደድ ዘሎ ህዝቢ ኢዮኮ ኤርትራ ንኤርትራውያን ክትከውን ኩሉ እንትንኡ ዝወፈየ፡፡ እዚ ኤርትራ ናይኤርትራውያን ክትከውን ዝተሰወአ ዝሰንከለ ዝተኻላበተ ህዝቢ ሎሚ ኤርትራ ናቱ ከይተኸውን ዝገበር ዘሎ ድኣ መንዩ..? እቲ ፍትሒ ተረጊጹ ሃገር ንወዲ ሃገር ብምባል ብትብዓት ዝቃለስ ዘሎʼዶ፡ ወይስ እቲ ንጥፍኣትና ድግድጊት ዝተዓጥቀ ህግደፍ….?

ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንወድያመን ድኣ…..? ንሶማልያውያን፡ ንሱዳናውያን፡ ንኣሜሪካውያን ወይስ ከምቲ ህግደፍን ሃሱሳት ህግደፍን ዝብልዎ ንኢትዮጵያን ንወያነ….? እዚ ናይ ዓያሹ ትያትሮ ሎሚ ክንቕሓሉን ክንልብመሉን ይግባኣና፡፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ሓንሳብን ንሓዋሩን ኮይና ኢያ፡፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ክትከውን መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ተቓሊሱ፡ ተሰዊኡ፡ ሰንኪሉን ንዓመታት ከርተት ኢሉን ኢዩ፡፡ ዓስቢ መስዋእቱን ምስንካሉን ከርተቱን ገድሉን ድማ፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራያን ኮይና ኢያ፡፡ ሎሚ ነቲ ብደምናን ድምጽናን ዘረጋገጽናዮ ሓቂ ደጊምና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከነእትዎ ኣምበይ ምተገበኣን፡፡ ግዳ ገሌና ብዘይፍላጥ ስሚዒትን ውሕጅ ሓሶት ህግደፍን ገፊዑና፡ ገለ ድማ ሕልፈትና ከምታ ኢሳይያስን ሃሱሳቱን ዝተለምዋ ክርዳድ ምእንቲ ክንፈሪ፡ ብቓልስናን መስዋእትናን ድምጽናን ዘረጋገጽናዮ ሓቂ ኮር ተገምጠል ኮይኑ ንርእዮ ኣለና፡፡ ብሓቂ እቲ ምዃን ተሳኢኑ ዘሎ ግን፡ ኤርትራውያን ናይታ ዝተሰዋእናላ፡ ዝሰንከልናላ፡ ዝተሞቓሕናላ፡ ዝተጋደልናላን ዝኸርተትናላን ኤርትራ ክንከውን ኣይከኣልናን፡፡ ሕልፈት መዋእልና ትማልን ሎምን ሓደʼዩ ዘሎ፡፡ ትማሊ ተጓኒና ሎሚ እውን ብዝገደደ ተጓኒና፡፡

ኤርትራ ንኤርትራውያን! ኣብቲ ርሱን ፖለቲካዊ መድረኽ መፋርቕ ኣርበዓታት ብሓርበኛታት ተቓለስቲ ኣቦታትናን ኣበሓጎታትናን ኣብ ግዚኡን ሰዓቱን ዝመጸን ዝተላዕለን ሕቶ መንነትናን ክብረትናን ኢዩ፡፡ ኣብቲ ተሃዋስን ተኣፋፍን ግዜ ጉዳይ ኤርትራን ኤርትራውያንን ሓበጀረዋይ መልክዕ ሒዙ ስለ ዝነበረ፡፡ እዋን መርገጺኻን ኤርትራውነትካን ኣነጽር ዝበሃለሉ ግዜ ስለ ዝነበረ፡፡ ኤርትራ ብሓደ ወገን ናብ ኢትዮጵያ ትተሓወስ፡፡ በቲ ካልእ ወገን ኤርትራ ከም ስጋ ጉዚ ትጎዛዘ፡፡ ኤርትራ ከም ቆልዓ ሕድሪ ብሞግዚትነት ትጽናሕ…..ካልእ ካልእ ዝበሃለሉ ግዜ ስለ ዝነበረ፡፡ እቶም ኣብ ታሪኽና እንሕበነሎም ሓርበኛታት ኣቦታትና ኤርትራ ኣይትቑርመም ኣይሽርመም፡ ኣይትጉዘ ኣይትቆራረስን፡ ናይ ኤርትራውያን ኢያ ብምባል ጸኒዖም ተቓሊሶም፡፡ ሕማቕ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ማሕበረሰብ ዓለም ድምጺ ህዝቢ ዓፊኑ ግጉይ ውሳነ ሂቡና፡፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ነቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብል ሓቀኛ ቃልስና ብሰለማውን ሕጋውን መገዲ ስለ ዝሰኣናዮ ጠበንጃ ኣልዒልና፡፡ ንሳላሳ ዓመታት ገድልን መስገደልን ሓሊፍና፡፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት መስዋእቲ ከፊልና፡፡ ሰንኪልና ከርቲትና ተዎቒሕና ተሰዲድና እውን፡፡ ብቓልስናን መስዋእትናን ድማ ነቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብል ሕቶና መሊስናዮ፡፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ሓንሳብን ንሓዋሩን ኮይና፡፡ ነዚ ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈልናሉ ዝተመለሰ ሕቶና ሎሚ መንዩ ዝጠራጠረሉ….? ኣይንዓሹ ኣይንገራህ ኣሕዋት ኢሳይያስ ዝደረሶ ገና ውስጠዘ ሚስጢራቱ ዘይተቐልዐ ውሕጅ እናሰሓቕና ኣሰርና ከየጥፍኣና፡፡

እስከ ሓንቲ ሕቶ ኣልዒለ እዚ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ናብቲ ካልኣይ ክፋል ከሰጋግሮ፡፡ እዛ ብቓልሲ ህዝብን ብመስዋእቲ ብሉጻትን ብድምጺ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራን ነጻን ሉኡላዊትን ዝኾነት ሃገር፡ ክሸጣን ብፍሉይ እውን ንኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ክህባን ከረክባን ዝቃለስ ተቓላሳይ ኣሎ ኢልና ንሓስብ ዶ….? ኣብ ደምበ ተቓውሞ ብጭቡጥ ከምዚኦም ዓይነት ተቓለስቲ ኣለዉ….? ሃገር ክበሃል ከሎ መሬት ባሕሪ ዘይኮነ ህዝቢ ኢዩ፡፡ ነዚ ገድልን መስገደልን ዝተሳገረ ንመሰልን ሪምን መስዋእቲ ዝኸፈለ፡ ህዝቢ ከምኣቕሓ መሸጣ ክትሸጦን ክትልውጦን ከ ይከኣልʼዶ ይኸውን…..?  መልሲ ንነበብቲ፡፡

ካልአይ ክፋል ይቕጽል

ሚካኤል እምባየ (ኣራንቺ)

[email protected]

Tele 251-921924501

ጅምላዊ ምዕጣቕ ህዝቢ ኤርትራን ምዕባለኡን፡፡

14 ሓምለ 2014

ካብ ግዱሳት ዜጋታት

ጅምላዊ ምዕጣቕ ህዝቢ ኤርትራን ምዕባለኡን፡፡

1.ሓጺር ድሕረ ባይታ

ፕረዚዳንት ኢሳያስ ኣብ ሚያዝያ 2012 ህዝቢ ብጃምላ ናይ ምዕጣቕ በይናዊ መደብ ኣውጺኡ፡፡ በይናዊ መደብ ማለት እንተወሓደ እቲ ካብነ ሚኒስተራት፡ ኣማሓደርቲ ዞባታት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍን ጸጥታን እቲ ሃገር ዝበሃሉ ኣካላት ዘይዘተይሉን ይኹን ዶ ኣይኹን ርእይቶኦም ዘየንበርሉን ከም ልማዱ ፕረዚዳንት በይኑ ዝወሰኖ መደብ ምንባሩ ንምብራህ ኢዩ፡፡ ኣተግበርቲ እዚ መደብ ካብዞም ላዕሊ ዝተረቑሑ ኣተግበርቲ ኣካላት ብዝተፈልየ፡ ፕረዚዳንት ባዕሉ ብዝመዘዞም ውልቀሰባት ብመሪሕነት ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ (ተኽለ ማንጁስ) ምስ በዓል ብርጋዴር ጀነራላት ፍጹም ገብሪሂወት (ወዲ መምህር)፡ ገብረሂወት ዞሞ (ወዲ ሊቀ)፡ ኣብ ሕድሕድ ዞባታት ዝነበሩ መራሕቲ ዕቑር ክፍላተ ሰራዊትን ክፍጽምዎ ተኣዚዞም ዘተግበርዎ ኢዩ፡፡

ዕላማ ጃምላዊ ምዕጣቕ ህዝቢ ኤርትራ “ውሽጣዊን ግዳማዊን ተጻብኦ ጸላእቲ ንምምካት ዝካየድ ቅድመ ድልውነት” ዝብል ሽፋን እኳ እንተነበሮ ድሕሪ’ቲ ሽፋን ዝነበረ ቀንዲ ዕላማ ግን ኣብ ልዕሊ ምዱብ ሰራዊት ኤርትራን ሓለፍቱን ምጥርጣራት ዘሕደረ ፕረዚዳንት ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ፍጹም ንጹል ምሕደራ ዘለዎ ቀጥታ ባዕሉ ዝመርሖን ብዝደለዮ ኣግባብ ዘማእዝኖን ኣብ ስልጣኑ ስግኣት ዘይብሉ እሙን ካልኣይ ሰራዊት ኢሳያስ ንምህናጽ ዘንቀደ ውጥን እዩ ነይሩ፡፡

ህዝቢ ኣስመራ ከምዝዝክሮ ኣብ’ዚ ህዝቢ ብጅምላ ናይ ምዕጣቕ መደብ ኣብ ኣስመራን ከባቢኡን ኣብ ሓለዋን ማእቶትን ዝነበራ ምዱብ ኣሃዱታት ክፍላተ ሰራዊት 525፡ ክ/ሰ 22፡ ዕቑር ሰራዊት 59 ካብ ከባቢታት ኣስመራ ክወጻ ተገይሩ ነይሩ፡፡ እዚ ውሳነ’ዚ ብፕረዚዳንት ዝተወሰነ ኮይኑ “ወያነ ንዝጀመረልና መጥቃዕቲ ንምክልኻልን ጸረ መጥቃዕቲ ንምክያድን” ዝብል ጉልባብ እኳ እንተነበሮ ቀንዲ ዕላምኡ ግን በዘን ኣሃዱታት ዝሰግአ ፕረዚዳንት ካብ ጥቕኡ ንምርሓቐን ኮነ ኢሉ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኢዩ ነይሩ፡፡ ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝረአ ኣብቲ ግዜ ዝተፈጸመ ናይ ዝተፈላለዩ ግንባራት ጨንፈር ኣብያተ ጽሕፈት፡ ናይ ሚኒስትሪ ምክልኻል ስታፋት ካብ ኣስመራ ክርሕቑ ዓቕሚ ሰቦም ክቕንሱ ንበለዛ ክእከቡ ዝብሉ ፍልይ ዝበሉ ምክልባት ጺዒቑ ዝተረኣየሉ እዋን ኔሩ፡፡

ሓምለ 2012 ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ካብ ኣጀንዳ ወጻእ ነዚ ጃምላዊ ምዕጣቕ ኣልዒሎም ገለገለ ሚኒስተራት ከምዚ ዝኣመሰለ ካብ ኣፍልጦናን ውሳነን ወጻእ ዝፍጸም ዘሎ ሓደገኛ ፖሊሲ ኣይንቕበሎን ዝብል ልሙስ ተቓዉሞታቶም ኣስሚዖም እኳ እንተነበሩ ካብ ምዕዝምዛም ዝሓለፈን ንህዝቢ ካብ ከልበትበት ዘድሓነን ግን ኣይነበረን፡፡ በዚ ምዕጣቕ ህዝቢ ዘይተሓጎሱን ዘዕዘምዘሙን መብዛሕትኦም ላዕለዎት ሓለፍቲ ብፍላይ ከም በዓል ፍሊጶስ፡ ወዲ ሃብተስላሰ፡ ጀነራል ሰብሓት፡ ወዲ ልብሱ፡ ሃይለ ሳሚኤል ቻይና፡ ስምኦን ገብረድንግል፡ ጠዊል፡ ኣቶ መስጦፋ ኑርሕሴን፡ ገለገለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍን በብናይ ገዛእ ነብሶም ምኽንያታት ተቓዉሞታቶም የንጸባርቑ ምንባሮም ይፍለጥ፡፡

ይኹን እምበር እዞም ብመደብ ምዕጣቕ ባህ ኣይበሎምን ዝበሃሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን ዋላ ባህ ኣይበሎም ንበይናዊ ውሳነ ፕረዚዳንት በዲሆም ህዝቢ ካብ ግዱድ ዕስክርናን ምክልባትን ከድሕንዎ ክሳብ ዘይከኣሉ ትርጉም ዝነበሮ ተቓዉሞ ኔሩ ተባሂሉ ክዝረበሉ ኣይከኣልን፡፡ ካብኦም ንላዕሊ ብዝሓሸን ኣብ መላእ ህዝብና ብሩህ ተስፋ ፈጢሩ ቦግ ኢሉ ህልም ዝበለ ብማእከለዎትን ታሕተዎትን ኣባላት ሰራዊትን ካድራትን ንፕረዚዳንትን ጉጅልኡን ኣዝዩ ዘሰንበደ ኣንጻር ፖሊሲታት ጉጅለ ኢሳያስ ተጠሊዑ ዝኣወጀ፡ ዓለም ዘዛረበ ሃንደበታዊ ስርሒት ፎርቶ (21 ጥሪ 2013) ኣካይዶም፡፡ እንተኾነ ግዳ በቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ምስ ጉጅለ ኢሳያስ ወጊኖም ነቲ በይናዊ ውሳነ ኢሳያስ ይኣክል! ብምባል ሃንደበት ቦግ ንዝበለ ጸረ ኢሳያስ ዓመጽ ብዝሑል ማይ ጀሊሖም ዕድመ ምክልባት ህዝቢ ከምዝናዋሕ ብምግባር ታሪኽ ዘይርስዖ ገበን ፈጸሙ፡፡

እቲ ህዝቢ ብጅምላ ናይ ምዕጣቕ ውጥን ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ክሳብ 75 ዝዕድሚኦም ብዕድመ፡ ብሓዘን ውላዶንም ሕሱም መነባብሮን ደርቆስቆስ ዝበሉ ኣቦታትን ኣዴታትን፡ ክሳብ ዳሪክቶር ጀነራል ጽፍሒ ዘለዎም ኣብ ኩለን ጽላታት ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ኣብ ኩለን ሆስፒታላትና ዝዓዩ ላዕለዎት ሓካይም፡ መማህራን፡ ሰራሕተኛታት ባንኪ…ብሓፈሻ ዳርጋ ኩሉ ሰራሕተኛ መንግስቲ፡ ኣሳሰይቲ ሆቴላት፡ መራሕቲ መካይን፡ ነጋዶ፡ ሓረስቶት፡ ስንኩላን ጥዩሳት፡ ከካብ ምዱብ ሰራዊት ኣሃዱታቶም ናይ ገዛእ ነብሶም ፍታሕ ወሲዶም ወይ ከኣ ብቋንቋ ህግደፍ “ኮብሊሎም” ቀትሪ ቀትሪ ተሓቢኦም ለይቲ ጸልማት ተኸዊሎም ምስ ስድርኦምን ውላዶምን ዝራኸቡ ኣብ ከባቢታት ዓዶም ዝተሓብኡ ወትሃደራት ብግፋን ብኣስገዳድን ኣብ ዘመነ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንናጽነት ካብ ስርዓት ደርግ ዝተማረኸ ዘመን ዝሓለፎ ዝኣረገ ጠበናጁ ምዕጣቕ ቀጺሎም፡፡

ከዕጥቑ፡ ክዕልሙ፡ ክውድቡን ክመርሑን ብፕረዚዳንት ስልጣን ዝተዓደሎም መራሕቲ ኣሃዱታት ዕቑር ሰራዊት (ዞባዊ ሰራዊት) ነቲ ዝኣረገ ጠበናጁ ብመካይን ጸጽዒኖም ዓዲ ዓዲ እናዞሩ ብመሰረት ጻውዒት ናብ መእከቢ ቦታ ክርከቡ ንዘይከኣሉ ዜጋታት ናብ ሕድሕድ መንበሪ ኣባይቶም ብምዟር ዓደልዎም፡፡ ክዓጥቕ ዝግበኦ ሰብኣይ ኣብ ገዝኡ እንተዘይጸኒሑ ከም ረዲኤት እኽሊ በዓልቲ ቤቱ ቆጺራን ፈሪማን ክትቅበሎ እንዳገደዱ ድማ ዓዲሎምዎ፡፡

ዕደላ ጠበናጁን ዕጥቅን፡ ድሕሪ ምውዳእ ዝዓጠቐ ህዝቢ ኩሉ በቢዞባታቱ ናብ መባእታዊ ወትሃደራዊ ታዕሊም ክኣቱ ተገብረ፡፡ ዝሰንከለ፡ ዝጸመመ፡ ዝዓወረን ኣብራኹ ዝጠለሞ ሽማግለን መንግስታዊ፡ ህዝባዊን ውልቃውን ዋኒኑ ሓዲጉ ኣብ ግዱድ ወትሃደራዊ ታዕሊማት ተጸምደ፡፡ ኣጋወጋሕታ ካብ ሰዓት 4፡30 ክሳብ ሰዓት 10፡30 ቅድሚ ፋዱስ ብዝተሰርዑ መዓልታዊ ፕሮግራማት መሰረት ንሰለስተ ወርሒ ዝኣክል ኣብ ስራሕቲ ምዕላም ተጸምደ፡፡ በቢዞባታቱ ድሕሪ ዝተኻደ ወትሃደራዊ ታዕሊማት ንምረቓ እንዳተብሃለ ማእለያ ዘይብሉ ወጻኢታት ካብ ቤትጽሕፈት ፕረዚዳንት እንዳተሰለዐ ንሕሩድን ንመስተን ፍሰስ ተፋሰስ ኮነ፡፡ ኣብ ሕድሕድ ዞባታት ዝተኻየደ ንተዓላሞ ምረቓ ተተባሂሉ ዝወጽእ ዝነበረ መላይን ገንዘብ ንብልሽውና ኣዝዩ ዝተመዓራረየ፡ ውልቀ ሰባት ኣዝዮም ዝበልጸግሉ ኣጋጣሚታት ኮነ፡፡ ኣብ ሕድሕድ ዞባታት ዝተኻየደ ናይ ተዓለምቲ ምረቓ ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ ቆጽሊ ከንብረሉ ናይ ግድን ስለዝነበረ ናይ ግዜ ምርጻም ከየጋጥም ኮነ ተባሂሉ ተሓሲብሉ ብግዜ ተሰሪዑ ይካየድ ነበረ፡፡ ናብ ኩሉ መዕለሚ ቦታታት እንዳኮለለ ከኣ በይኑ ተኽለ ማንጁስ ይምርቖ ነበረ፡፡ ኣብ እዋን ምረቓ ተዓለምቲ ተኽለ ማንጁስ ዘስምዖም ዝነበረ ብደዐታት ጸብጺብካ ዝውድኡ እኳ እንተዘይነበሩ፡ ካብ ገለ ብደዐታቱ ብጭልፋ ግን “ህዝባዊ ሰራዊት” እቲ ቀንዲ ተኣማኒ ሰራዊት ኤርትራ ምዃኑ፡ ኣብ ልምዓትን ኣብ ምክልኻል ሃገርን ብተኣማንነት ክሳተፍ ዝግበኦ ዋልታ ሃገር ምዃኑ፡ ድሕሪ ሕጂ ዘይንቕንቖ ሓይሊ ኢኹም ዘፍርሰኩም መራሒ ፍጹም ከምዘይህሉ …ወዘተ ዝኣመሰሉ ነበሩ፡፡

ድሕሪ ብቑሪን ኣሳሒታን ከምኡ እውን ብጸሓይን ውዑይ ኪሎማን ጽዑቕ ወትሃደራዊ ታዕሊማት ዝወሰደ ህዝቢ ቀጺሉ፡ ናብ ምውድዳብን ምስርራዕን መደብ ኣተወ፡፡ ኩሉ ዝዓጠቐ ህዝቢ በቢንኡስ ዞብኡ ብብርጌዳት ተወደበ (ተሰርዐ)፡፡ መስርዕ፡ ጋንታ፡ ሓይሊ፡ ቦጦሎኒ፡ ብርጌድ ተባሂሉ ከኣ ልክዕ ከምቲ ናይ ምዱብ ሰራዊት ተሰየመ፡፡ ሕድሕድ ንኡስ ዞባ ወይ ምምሕዳር ከባቢ ልክዕ ከምቲ ኣወዳድባ ምዱብ ሰራዊት ብብርጌድ ተሰርዐት፡፡ ብርጌዳት ተኣኻኺብን ድማ ማእለያ ዘይብለን ክፍላተ ሰራዊት ኣቖማ፡፡

ኩሉ ሰማዕን ኣንባብን ክርድኦ ዘለዎ ግን ቅድሚ ምዕጣቕ “ህዝባዊ ሰራዊት” ካልእ “ዕቑር ሰራዊት” ሓድ ሓደ ሻዕ እውን “ዞባዊ ሰራዊት” እንዳበሉ ይጽውዕወን ኢዮም፡ ልክዕ ከምቲ ምዱብ ሰራዊት ደሞዝን ወርሓዊ መቑንን ኣወዳድባን ዘለወን ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ 8 ክፍላተ ሰራዊት እየን፡፡ እዘን ኣሃዱታት ክፍላተ ሰራዊት ቅድሚ 2012 ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ምክልኻልን በብግንባሩ ይመሓደራ ነይረን፡፡ ካብ ሚያዝያ 2012 ግን እዚአን እውን ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ወጺአን ኣብ ትሕቲ ቤ/ጽሕፈት ፕረዚዳንት ብኣላይነት ተኽለ ማንጁስ ክምርሓ ተኣዘዛ፡፡

ኣስማት እዘን ክፍላተ ሰራዊት ክ/ሰ 53 ሰራየ፡ ክ/ሰ 55 ኣካለጉዛይ፡ ክ/ሰ 59 ሓማሴን፡ ክ/ሰ 57 ጋሽባርካ፡ ክ/ሰ 61 ከባቢ ሰሜናዊ ሳሕል፡ ክ/ሰ 63 ዓንሰባ፡ ክ/ሰ 65 ከባቢታት ተሰነይ፡ ክ/ሰ 67 ደንከል ከባቢ ዓሰብ፡፡ ሕድሕድ ክ/ሰ ብ4 ክሳብ 5 ብርጌዳት ዝተወደባ፡ ዕጥቀን ብጀካ ኣብ ምዱብ ሰራዊት ብወሃቢ ድጋፍ ዝዕጠቕ ኣጽዋር ካልእ ኩሉ ልክዕ ከምቲ ምዱብ ሰራዊት ብስታንዳርድ ዝተዓጥቃ፡ ብኮሎኔላት ዝመዓርጎም ሓለፍቲ ዝእዘዛ፡ ብህልው ዓቕሚ ሰበን ካብቲ ምዱብ ሰራዊት ዝሓሻ ነይረን፡፡ መስርዕ ጋንታን ሓይልን ዝበሃል ውደባታት ክሳብ ቀረባ ኔርወን፡፡ ሕጂ ግን መብዛሕትአን ዓቕሚ ሰበን ተመናሚኑ መስርዕን ጋንታን ተደምሲሱ ከም ሃገረን ብሓይሊ ይስርዓ ኣለዋ፡፡

ንኣብነት ዝኣክል ብኮሎኔል ባህረ ደባስ (ወዲ ደባስ) ትእዘዝ ናይ ዞባ ጋሽ ባርካ ክ/ሰ 57 ኣብ ታሕሳስ 2010 6,613 ጠቕላላ ዓቕሚ ሰብ ነይርዋ፡፡ ጥቅምቲ 2013 ግን 3,344 ዓቕሚ ሰብ ሒዛ ተሪፋ፡፡ እቲ ዝተረፈ 3,269 ዓቕሚ ሰባ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ጠፊኡ ተበታቲኑ፡፡ ካብዚ ብዝኸፍአ ድማ ኣብ ኣካለጉዛይ ትርከብ ብኮሎኔል ብርሃነ ኣንጤኖስ (ወዲ ኣንጤኖስ) ትምራሕ ኣሃዱ ክ/ሰ 55 ከምዝኾነት ርጉጽ ኢዩ፡፡

እምበኣር እዘን ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ተመንጢለን ቀጥታ ናብ ትሕቲ ምምሕዳር ቤ/ጽ ፕረዚዳንት ዝኣተዋን ብውክልና ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ፡ ዝምርሓን ኣሃዱታት ዕቑር ሰራዊት እየን ነቲ ጃምላዊ ምዕጣቕ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ተኽለ ማንጁስ፡ ወዲ መምህርን ወዲ ሊቀን ኮይነን መሪሐንኦ፡፡ ክሳብ ሕጂ ከኣ ብጀካ “ህዝባዊ ሰራዊት” ዞባ ማእከል (ኣስመራን ከባቢኣን) ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዝዓጠቐ “ህ/ሰራዊት” ክመርሐኦ ዝጸንሓን ዝመርሐኦ ዘለዋን ንሳተን ኢየን፡፡

በዝሕን ኣወዳድባን “ህዝባዊ ሰራዊት”፡

ሓፈሻዊ ኣወዳድባ “ህዝባዊ ሰራዊት” ልክዕ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኣወዳድባ ምዱብ ሰራዊት ካብ መስርዕ ክሳብ ብክ/ሰራዊት ኢዩ ተወዲቡ፡፡ ካብኡ ንላዕሊ ኣብ ሓደ ኣውራጃ ንዝርከባ ክፍላተ ሰራዊት ኣኪብካ ብደረጃ እዚ (ግንባር) ንምስራዕ ብተኽለ ማንጁስ ወጺኡ ዝነበረ መደብ ነይሩ፡፡ እንተኾነ ግና እቲ መደብ ምስተወጠነ ዘራጊቶ ኣትያቶ ሕጂ ኣይኮነን ብግንባር ብብርጌድ ኣብ ምቕጻሉ ውን ኣብ ኣስጋኢ ደረጃ በጺሑ ኣሎ፡፡

እቲ ሓደ እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ዝተፈላለያ እዝታት ብምፍጣር ኣዛዚ ካልኣይ ሰራዊት ኤርትራ ክኸውን ዝተመነየ ተኽለ ማንጁስ ኣብዛ እዋን እዚኣ ይትረፍ እዚ (ግንባር) ነታ ንነዊሕ ዓመት ዝሃነጻ መጋበርያ ብልሽውንኡ ዝኾኑ እሙናትን ኣባላትን ስታፋቱ ከማን ኩላ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ ትርከብ፡፡ ተኽለ ማንጁስ እውን እንተኾነ ሎሚ ዶ ጽባሕ ተርክበለይ እንዳበለ ሪጋ ሒዙ ኣብ ትጽቢት ኢዩ ዝመስል ዘሎ፡፡ ካብ ገጽ ህዝብን ብጾቱን ተኸዊሉ ህጣሙ ኣጥፍኡ ዳርጋ “ተኽለ ማንጁስ ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ” ዝብል ሓበሬታ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ምልጣፍ ጥራይ ኢዩ ተሪፍዎ እምበር ካብ ገጽ ህዝቢ ካብ ዝኽወል ካብቲ ክመርሖ ምዃኑ ኣብ ቀብሪ ሽመቱ ዝተገልጸሉ ምዕራባዊ እዚ ካብ ዝስወር ነዊሕ ገይሩ ኣሎ፡፡

ተኽለ ማንጁስ “ህ/ሰራዊት” ጥራይ ኣይኮነን ሃኒጹ ኣዝዮም ብዙሓት ከም በዓል ኣዳርሰር፡ ሓሽፈራይ፡ ኣብ ኣስመራ ድማ ብደሆ ዝበሃል ንሱ ጥራይ ዝመርሖም ኣብያተ ማእሰርቲ ሃኒጹ ማእለያ ዘይብሎም ዜጋታት ኣሲሩ ገፊዑ ኢዩ፡፡ እንተኾነ ሕጂ እቲ ዝሃነጾ ናይ ኣስመራ ብደሆ ዝበሃል ቤት ማእሰርቱ እውን ብጀነራል ፍሊጶስ ፈሪሱ ኣሎ፡፡

ካብ መራሕቲ መሳርዕ ክሳብ መራሕቲ ሓይሊ ካብቲ ሓፋሽ ዕጡቕ ካብ ባዕሉ ዝተመዘዙ ክመርሕዎ ዝተገብረ ኮይኑ፡ ካብ እዚ ቦጦሎኒ ንላዕሊ ቦጦሎኒ፡ ብርጌድን ክፍለ ሰራዊት ግን ምስ ምሉእ ስታፋቶም ብላዕሊ ዝተመደቡ ወትሃደራት ወይ ተጋደልቲ ነበር ክመርሕዎ እዩ እቲ ፖሊሲ ኢሳያስ፡፡ እዞም ካብ ቦጦሎኒ ንላዕሊ ዝመርሑ ሰባት መብዛሕትኦም ድስኩላት፡ ጥዩሳት፡ ተመላለስቲ ተባሂሎም ኣብ ገገዝኦም ኮፍ ኢሎም ወርሓዊ ደሞዝ ክወስዱ ዝጸንሑ ተጋደልቲ ነበሩ እዮም፡፡ ናብ “ህ/ሰራዊት” ምስተመደቡ ከኣ ይውሓድ ይብዛሕ ልክዕ ከምቲ ምዱብ ሰራዊት ስሩዕ ወርሓዊ በጀትን መቑንን ብመንግስቲ ዝሽረፈሎም እዮም፡፡

ስለዚ “ህ/ሰራዊት” ካብ ተራ ክሳብ መሪሕነት ሓይሊ ወርሓዊ ደሞዝ ዘይብሉ ብነጻ ንኢሳያስ ከገልግል ዝተገደደ ህዝቢ ክኸውን ከሎ እቲ ካብ ቦጦሎኒ ክሳብ ክ/ሰራዊት ዝተመደበ ነቲ ዕጡቕ ህዝቢ ዝጥርንፍ ግን ልክዕ ከምቲ ምዱብ ሰራዊት ምስ ስታፋቱ ወርሓዊ ደሞዝ ዝኽፈሎ ኢዩ፡፡

ሕድሕድ ንኡስ ዞባ እንተወሓደ ሓደ ብርጌድ “ህ/ ሰራዊት” ኣለዋ፡፡ ዳርጋ ኣብ መብዛሕትአን ንኡሳን ዞባታት ሃገርና ጠበናጁ ዝዓጠቑ ብርጌዳት ኣለው ማለት ኢዩ፡፡ ናይ ኩሉ ዋላ እንተዘይቕረብና ንመርኣያ ዝኣክል ናይ ዝተወሰና ዞባታት ክነቕርብ እሞ ተዓዛቢ ናይ ባዕሉ ሚዛን ክወሰድ ንሓድገሉ፡፡

1. ኣብ ዞባ ማእከል (ኣስመራን ከባቢኣን) ዝዓጠቐ “ህ/ሰራዊት” ብ7 ክፍላተ ሰራዊት ተወዲቡ ኣሎ፡፡

1ይ ክ/ሰ ቤ/ጽሕፈቱ እንዳሰዓል፡ ኣዛዚኡ ሌ/ኮሎኔል ሰመረ ሕድሩ ኣቃውማ ብርጌዳቱ (ሰረጀቓ፡ በሪኽን ጋላ ነፍሒን)
2ይ ክ/ሰ ቤ/ጽ ፓራዲዞ ኣዛዚ ተጋ/መንገሻ ባሻይ ብርጌዳቱ (ማይተመናይ፡ ዕ/ሓሙስ፡ ፓራዲዞ ዓዲኣቤቶን ዓዲሰግዶን)
3ይ ክ/ሰ ቤ/ጽ ኢንኮዶ ኣዛዚ ወዲ ማና (ኣቃውማ ብርጌዳቱ መብዛሕትአም ታክሲስታ)
4ይ ክ/ሰ ቤ/ጽ ጎዳይፍ ኣዛዚ ዮሴፍ ሃይለ ኣቃውማ ብርጌዳቱ (ትካላትን ሚኒስትሪታትን)
5ይ ክ/ሰ ቤ/ጽ ጸጸራት ኣዛዚ ወዲ ቀሺ (ኣቃውማ ብርገዳቱ ሰንበልን ጸጸራትን)
6ይ ክ/ሰ ቤ/ጽ ጎዳይፍ ኣዛዚ ጸጉ (ኣቃውማ ብርጌዳቱ ቀሓውታ፡ ማይጨሆትን ገጀረትን)
7ይ ክ/ሰ ቤ/ጽ ጸጸራት ኣዛዚ የውሃንስ ሃይለ (ጆን ሃይለ) ኣቃውማ ብርጌዳቱ ካብ ኩሉ ሕውሳዋስ

2. ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ፡- ኣብ ትሕቲ ዕቑር ክ/ሰ ዝመሓደራ 10 ብርጌዳት “ህዝባዊ ሰራዊት” ኣለዋ ካብ 1ይ ክሳብ 4ይ ብርጌድ ናይቲ 57 ዝበሃል “ዕቑር ሰራዊት” ኮይነን ካብ 5ይ- 14 ብርጌዳት ግና “ህ/ሰራዊት” ኢየን፡፡

5ይ ብርጌድ ኣቑርደት
6ይ ብርጌድ መንሱራ
7ይ ብርጌድ ላዕላይ ጋሽ
8ይ ብርጌድ ሎጎ ዓንሰባ
9ይ ብርጌድ ተርኪና
10ይ ብርጌድ ሙልቂ
11 ብርጌድ ሻንባቆ
12 ብርጌድ ባረንቱ
13 ብርጌድ ጎኚ
14 ብርጌድ መቐርካ

3. ኣብ ትሕቲ ዕቑር ክ/ሰ 55 ዝመሓደራ ብርጌዳት “ህ/ሰራዊት” ካብ 1ይ ክሳብ 5ይ ብርጌዳት ኣባላት እቲ ዕቑር ሰራዊት ክኾና ከለዋ ካብ 6ይ- 11 ብርጌዳት ግና “ህ/ሰራዊት” ኢየን፡፡

6ይ ብርጌድ ሰንዓፈ
7ይ ብርጌድ ዓዲቀይሕ
8ይ ብርጌድ ሰገነይቲ
9ይ ብርጌድ ደቂምሓረ
10ይ ብርጌድ ማይዓኒ
11 ብርጌድ ጾሮና

4. ኣብ ትሕቲ ዕቑር ክ/ሰ 53 ዝመሓደራ ብርክት ዝበላ ብርጌዳት ኣለዋ እዚን ብርጌዳት ካብ ካልኦት ብዝተፈልያ ክፍላተ ሰራዊት ተወዲበን ኣለዋ፡፡ ንኣብነት ዓዲ ዃላ ዝማእከሉ 1ይ ክ/ሰራዊት፡ ማይ ምነ ዝማእከሉ 2ይ ክ/ሰራዊት፡ መንደፈራ ዝማእከሉ 4ይ ክ/ሰራዊት፡ ዱባሩባ ዝማእከሉ 3ይ ክ/ሰራዊት ተባሂሉ ተወዲቡ ኣሎ፡፡

ኣብ ኩሉ ዞባታት ብደረጃ ንኡስ ዞባ ይኹን ንኡሳን ዞባታት ብምጭፍላቕ ብክ/ሰራዊት ንምውዳብ ብመደብ ተታሒዙ ዝነበረ እዩ፡፡ ካብዘን ንመርኣያ ዝቐረባ ወጻእ ኣብ ካልኦት ዞባታት ብተመሳሳሊ “ህ/ሰራዊት” ብብርጌዳትን ክፍላተ ሰራዊትን ተወዲቡ ኣሎ፡፡ ዝርዝሩ ምቕራብ ምብኻን ግዜ ከይየስዕብ ክንሓለፎ ኢና፡፡

ኩቡራት ተኸታተልቲ!! እዚ ንኣብነት ዝቐረበ ናይ ገለ ከባቢታት ኣወዳድባ “ህ/ሰራዊት”ን ዕቑር ሰራዊትን ብፕረዚዳንት ዝተሓንጸጸ መደብን ዕላምኡን ንኢሳያስ ተኣማኒ ካልኣይ ሰራዊት ተባሂሉ ምንባሩ ርዱእ እዩ፡፡ እንተኾነ ዕጡቕ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ካብ እምነቱ ወጻእ ብኣስገዳድ ክዓጥቕ ስለዝተገብረ፡ ንኢሳያስ ራሕሪሖም ናይ ዝጠፍኡ ደቁ መተካእታ ኮይኑ ኣብ ሓለዋ ስልጣን ኢሳያስ ክዋፈርን ናጻ ጉልበት ክምዝመዝን ከምዝተደለየ ንኹሉ ብኣግኡ በሪሂሉ ኢዩ፡፡ ክሳብ ሕጂ ብተግባር ከኣ ከምኡ ኢዩ ዘሎ፡፡ እዚ ዕጡቕ እዚ ግን ብመሰረቱ ህዝቢ ስለዝኾነ፡ ቀንዲ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብዚ እዋን ናይ ስርዓት ለውጢ ስለዝኾነ እዚ ህዝባዊ ዕጡቕ ኣብ ለውጢ እጃሙ ልዑል ምኻኑ ሓሓሊፉ ይረአ ከምዘሎ እውን ዝዓጠቖ ብደቁ ካብ ባዕዳዊ ጻላእቱ ዝተመንዘዐ ጠበናጁ ተዓጢቑ ኣንጻር ዓመጽትን ጠለምቲ ሕድሪ ሰማእታትን ከቕንዖ ይደናደን ኣሎ፡፡

ኣብ ሕድሕድ እዚ ዝተገልጸ ኣወዳድባታት ዝተኣከበ ዕጡቕ ህዝቢ መጠኑ ክንደይ ይኸውን ንዝብል ሕቶ ብዘይምግናን ክሳብ 75 ዝዕድሚኡ ዜጋ ኩሉ ጠበንጃ ክዓጥቕ ተገዲዱ ከምዘሎ ሕድሕድ ሰብኣይ ወይ ከኣ ሰብኣይ ዘይብላ ኣደ ዘላቶ ስድራ ጠበንጃ ዘይብላ የላን እንተተብሃለ ምግናን ኣይኮነን፡፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ጥራይ ዝዓጠቐ ህዝቢ 18,300 ኣሎ፡፡ ኣብ ዞባ ማእከል (ኣስመራን ከባቢኣን) ብ7 ክፍላተ ሰራዊት ዝተወደበ ዕጡቕ ህዝቢ ኣስታት 60,000 ከምዝኸውን ሓርፋፍ ግምታት ኣሎ፡፡ ኣብ ክልቲኡ ኣውራጃታት ኣካለጉዛይን ሰራየን ከኣ ጭቡጥ ጸብጻብ ዋላ እንተዘይቕረብና ተዓዛቢ ካብቲ ዝቐረበ ተበጊሱ ናይ ባዕሉ ግምታት ክወሰድ ይኽእል ኢዩ፡፡
“ህ/ሰራዊት” ብውዳበታት ድሕሪ ምስርራዕ በቢወዳብኡ እንዳተኣከበ ኣብ ናይ ለይትን ቀትርን ሓለዋ ትካላት፡ ሓለዋ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን፡ ሓለዋ ዓድታትን ጎደቦታትን፡ ሓለዋ ጎደናታትን ብሎኮታትን፡ ኣብ ምቕራም “ኩብሉላት”፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባዊ ንጥፈታት፡ ግንባርን መንግስትን ዘንቅሉዎም ናይ ናጻ ጉልበት ማእቶት ስራሓት፡….ብዘይዕረፍቲ ክዋፈሩ ክግደዱ ጸኒሖም፡፡

2. እዋናዊ ኩነታት “ህ/ሰራዊት”፡-

ንኣስታት ክልተ ዓመት ብውክልና ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ ዝምራሕ ካልኣይ ሰራዊት ፕረዚዳንት ኢሳያስ ሎሚ ካብ መጀመሪያ ወርሒ 7/2014 ጀሚሩ ኣብ መስርሕ ምፍርራስ ይርከብ፡፡ መን ኢዩ ዘፍርሶ? ስለምንታይ’ከ ይፈርስ? ደረጃ ምፍርራሱ’ከ እንታይ ይመስል? ዝብሉ ኣልዒልካ ምርኣዩን ምምላሱን ግቡእ እዩ፡፡

ብዕለት 1/7/2014 ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ ምነ ዝርከብ ብክ/ሰራዊት ዝተወደበ “ህ/ሰራዊት) “ብላዕሊ ዝወረደና ዝምላእ ቅጥዒ ስለዘሎ ማንም ከይተርፍ” ኩሉ ናብ ሓውሲ ከተማ ማይምነ ክእከብ ተኣዊጅሉ፡፡ ብመሰረት ኣዋጅ ከኣ ኩሉ ናይ ክራማት ስራሕቱ ራሕሪሑ በቲ ዝተጠቕሰ ዕለት ኣብ ሓውሲ ከተማ ማይ ምነ ሰዓት 8፡30 ናይ ንጉሆ ተኣኻኺቡ፡፡ ስዒቡ ኩሉ ጠበናጅኡ ኣውሪዱ ኣብ ሓደ ቦታ ከቐምጥ ነቲ ጠበናጁ ዝሕሉ ካልእ ሓይሊ ተመዲቡ ተሰሪዑ ናብ መእከቢ ክኣቱ ተኣዘዘ፡፡ ኣብቲ ኣኼባ ዝጸንሖም ግን ከምቲ ዝተብሃለ “ምምላእ ቅጥዒ” ዘይኮነ ቀዳምነት ንተኣከብቲ ብካልእ ሓይሊ ተኸቢቦም ጠበናጅኦም ንበይኑ ንሳቶም ንበይኖም ብምግባር ኣኪቦሞም፡፡ ቀጺሉ “ካብ ኣሃዱታትኩም ኮብሊልኩም ኣብ ህ/ሰራዊት ዝዓጠቕኩም ቅድሚ ሕጂ ኣኣብ ከባቢታትኩም ይዓጥቕ ኣብ ዘሎ “ህ/ሰራዊት” ክትዓጥቁን ክትውደቡን መንግስቲ መምርሒ ኣውጺኡ ነይሩ፡፡ ሕጂ ግና እቲ መምርሒ መንግስቲ ተቐይሩ ናብ ኣዶ ኣሃዱታትኩም ክትምለሱ ትእዛዝ ስለዝወረደና፡ ሕጂ መካይን ተላኢኸናልኩም ኣለዋ በዚኣ ኣቢልኩም ክትብገሱ ኢኹም” ዝብል ዱቦላ መግለጺ ብመራሒ ክ/ሰራዊት ኣቶ ጎይቶኦም ተዋሂቡ፡፡ ተኣከብቲ “ስለምንታይ ደኣ ቅጥዒ ክትመልኡ ኢልኩም ተተላሉና! ስድራቤትና ክንሰናበት ናብራና ክንወጋግን ግዜ ይወሃበና” ዝብል እኩብ ምዕዝምዛምን ሕቶታትን ተልዓሉ፡፡ “ዝመጸና መምርሒ ሎሚ ናብ ቦታኹም ክትብገሱ ስለዝኾነ ዝተብሃለኩም ትገብሩ” ዝብል ቀጢን ትእዛዝ ብምሃብ ንኣስማት ኩብሉላት ጸዊዑ ልዕሊ 300 ዝኾኑ ንበይኖም ክሳብ ሰዓት 5፡30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ሓደ ቀጽሪ ብሓለዋ ተኸቢቦም ወዓሉ፡፡

ሰዓት 5፡30 ምስኮነ ግን እቶም ዕጥቆም ምስ ኣራገፉ ኣብ ዕጽው ኣደራሽ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ዝኣተው ዕጡቋት ነቶም ዝሕልውዎም ዝነበሩ “ከይትትኩስልና ከይትቀትሉና ኣብ ደምነት ከይትኣትው” ብዝብል ተላዚቦም ነመሳኹትን ማዕጾን እቲ ዝተኣሰርሉ ኣደራሽ ፈንጢሖም ብጀካ 10 ሰባት ዝተረፉ 300 ዝኾኑ ቅዩዳት ሃዲሞም ኣመሊጦም፡፡ ኣብ እዋን’ዚ ህድማ መራሒ’ቲ ሓለዋ ንኣባላቱ ክትኩሱ ብዝኣዘዞ ብፈኮስትን ማእከላይ ብረትን ተኹስታት ተኻይዱ ብጀካ ቀሊል ማህረምቲ ዝበጽሖ ሓደ ሰብ ካልእ ዝወረደ ማህረምቲ ከየጋጠመ ኩሉ ፋሕ ብትን ኢሉ፡፡ እቲ ዝተሃርመ ሓደ ወዲ ዓዲ ቀጢና ዕጡቕ ንሆስፒታል መንደፈራ ተወሲዱ፡፡

ኣብ ህድማ እዞም 300 ዝኾኑ ዕጡቓት ቆሓይን ብልዑል ምትሕብባር ናይ ከባቢ ህዝቢ ብፍላይ ኣዴታትን እቶም ናይ ከባቢ ዕጡቋት ህዝባዊ ሰራዊትን ተዓዊቶም በቢጉጅለ ተበታቲኖም በረኻ ሰፊሮም፡፡

ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ስታዲዮም መንደፈራ ዝተጸውዐ ኣኼባ “ህ/ሰራዊት” ካብቲ ናይ ንኡስ ዞባ ማይምነ ብዘይፍለ ፍጻመ እዩ ኣጋጢሙ፡፡ ኣብቲ ዳኒኤል ብዝበሃል ተጋዳላይ ህ.ግንባር ነበር ኣዛዚ ክ/ሰ “ህ/ሰራዊት” ከባቢ መንደፈራ ዝተጸውዐ ኣኼባ፡ ብመሰረት እቲ ጻውዒት ኩሉ ኣባል “ህ/ሰራዊት” ምስተኣከበ ብረቱ ከውርድ ከም ናይ ማይምነ ኣይተኣዘዝን፡፡ ምስ ዕጥቁ ኣብ ውሽጢ’ቲ ስታዲዮም ክስራዕ ምስተገብረ ‘ኩብሉላት’፡ ናይ ሚኒስትሪታትን ዕጡቋትን ነንበይኖም ክፍለዩ ኣዚዙ፡፡ ድሕሪ እዚ ነቶም ኣስታት 400 ዝኾኑ ኩብሉላት ብምትራፍ እቲ ካልእ ነናብ ዓዱን ሚኒስትሪታቱን ክምለስ ተሓቢሩዎ፡፡ እቶም ኩብሉላት ግን ኣብ ቀጽሪ’ቲ ስታዲዮም ተፈልዮም ተሪፎም፡፡ ወዲ ሻንበል ዝበሃል ብዝመርሖ ኣሃዱ ስለያ እቲ ክ/ሰራዊት ከኣ ተኸቢቦም፡፡ ድሕሪ ክባ ዝሰዓበ “ክሳብ ሕጂ ምሳና ጸኒሕኹም ካብ ሕጂ ንደሓር ግን መምርሒ መንግስቲ ተቐይሩ ነናብ ኣዶ ኣሃዱታትኩም ክትምለሱ ስለዝተወሰነ ብረትኩም እንዳውረድኩም ናብ መካይን ተሳፈሩ” ዝብል መግለጺ ተዋሂቡ፡፡ እዚ መግለጺ ዝሰምዐ ተኣካቢ “ዓፈና” ድዩ ብምባል ናብ ከቢድ ጫውጫውታን ታዕታዕን ኣትዩ፡፡ ተቓውሞታቶም ክስምዕ ዝፈተነ መራሒ ኣኼባ “ስድራናን ንብረትናን ክንናቢ ዕድል ይወሃበና፡፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓፈና ከኣ ኣይንቕበሎን፡፡” ዝብል ሓሳብ ሓደ ክልተ ሰባት ርእይቶ ምስ ኣቕረቡ ሓላፊ ኣኼባ ብትሪ ርእይቶታቶም ንዘቕረቡ ብበትሪ ክሰሃሎም ምስፈተነ ኩሉ እቲ ምስ ዕጥቁ ዝነበረ ዕጡቕ ነዲሩ ጠበናጅኡ ብምዕማር “ሕራይ ህረሞም እሞ ሽዑ እንገብሮ ባዕልና ንፈልጥ” ምስ በሉዎ ንምህራም በትሪ ዘዋጣውጥ ዝነበረ ፈሪሑ ሽጉጥጉጥ ምስ በለ ኩሉ ተኣካቢ ጠበናጅኡ ኣዕሚሩ ነቲ ሓለዋ ፈንጢሑን ነቲ መንድቕ ናይቲ ቀጽሪ ስታዲዮም ዘዘሊሉን ነናብ ዝጠዓሞ ፋሕ ጭንግራሕ በለ፡፡ ክጽዕና ዝመጻ መካይን ውን ብጀካ ብፍርሒ ዝተረፉ 20 ዕጡቓት ካልእ ክረኽባ ስለዘይከኣላ ገረውረው ክብላ ናብ ሓልሓለ ተመልሳ፡፡

ኣብዚ ናይ መንደፈራ ካብ ሓለውቲ ሓደ ሰብ ቶኪሱ እኳ እንተነበረ እቲ ናይ ኣተኣላልያ ብቕዓት ዝነበሮ ወዲ ሻንበል ዝበሃል ሓላፊ ስለያ “ከይትትኩሱ” ዝብል ትእዛዝ ንሰራዊቱ ስለዘውረደ እቲ ቶኽሲ ኣይቀጸለን ዝበጽሐ ሓደጋ ከኣ ኣይነበረን፡፡

ዕለት 4/7/2014 ኣዛዚ ዕቑር ክ/ሰ 53 ኮሎኔል ዓስቡ ኣብ ድፋዕቲ ተዋፊራ ኣብ ሓለዋ ንዝነበረት ክ/ሰራዊት ከባቢ ዓዲኻላ በቢብርጌዳቱ እንዳዞረ ነቶም ኩብሉላት ነናብ ኣዶ ኣሃዱታቶም ክምለሱ ትእዛዝ ጀነራል ፍሊጶስ ከተግብሩ ንብረቶምን ስድራቤቶምን ኣማሓዲሮም ንሰንበት ዕለት 6/7/2014 ናብ ዓዲኳላ ተመሊሶም መሰነይታ ደብዳቤ ካብ ቤትጽሕቱ እንዳወሰዱ ናብ ኣዶ ኣሃዱታቶም ክምለሱ፡ እዚ ምስ ዘይገብሩ ግን ኣሃዱታቶም ገፊፈን እንተሒዘንኦም “ህ/ሰራዊት” ሓላፍነት ከምዘይወስደሎምን ካብቲ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝተጠቐምዎ ኣገባብ ብዝተመሓየሸ ነቲ መምርሒ ከተግብርዎ እኳ እንተፈተኑ እዚ እውን ኣይሰለጦምን፡፡

ዕለት 4/7/2014 ኣብ ንኡስ ዞባ ማይዓይኒ ዝርከብ ናይ “ህ/ሰራዊት” ክ/ሰራዊት ዝነበሩ ኣስታት 400 ዝኾኑ ኣብ “ኩብሉላት” ኣባላት ብጀካ 80 ዝኾኑ ጠበናጅኦም ኣራጊፎም ኣብ በጣሕ ተሳፊሮም ናብ ማይ ዕዳጋ ክኸዱ እቶም ዝተረፉ ልዕሊ 300 ዝኾኑ ግና ከምቲ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝተረኣየ ፋሕ ብትን ኢሎም ኣይተረኸቡን፡፡

እዚ መደብ እዚ ኣብ መላእ ሃገር ብፕረዚዳንት ንዝዓጠቐ ዕጡቕ “ህ/ሰራዊት”ን ዕቑር ሰራዊትን ንምፍርራስ ዝወረደ መደብ ስለዝኾነ፡ ክጥዕመኩም ትእክቡና ክትጥርጡሩና ትብትኑና ኣባጊዕ ኣይኮናን ብምባል ተሪር ናይ እምቢታ ተቓዉሞታት ኣጋጢምዎ ንመደባት ፕረዚዳንትን ጀነራል ፍሊጶስን ነጺጉ ባዕሉ ንመሰላቱ ዘኽብረሉ መገድታት ይናዲ ምህላው ህልውን ጭቡጥን ሃገራዊ ኩነታት ኮይኑ ኣሎ፡፡ ብወገን መንግስቲ ድማ ዓንጾ ዓንጾ ንማዕጾ ከምዝበሃል ሃዲሞም ኣብ በረኻታት ዝተሓብኡን ወይ እውን ናብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ናይ ዝሰገሩ ዜጋታት ኣንስቲ እረይወን እሰርወን ተተገዲዶም ክምለሱ እዮም ዝብል ካብ ኣዝዩ ድኹም ሕልና ዝብገስ ትእዛዝ ጀነራል ፍሊጶስ ንምትግባር ኣንስቲ “ኩብሉላት” ይህደና ኣለዋ፡፡ ከይተሓዛ ፈሪሐን ደቀንን ጥሪተንን ራሕሪሐን ኣብ በረኻታት ይሕበኣ ኣለዋ፡፡ መንእሰይ ይሕባእ፡ ወላዲ ይሕባእ፡ ኣዴታት ይሕበኣ ….ክረምቲ ምድሪ ህዝቢ ቅሳነት ስኢኑ ይከላበት ኣሎ፡፡ ክልተ ሓራምዝ ክጻልኡ ሳዕሪ የጥፍኡ ከምዝበሃል ጀነራላት ኣብ ነንባዕሎም ዘሎ ንሕንሕ ክዋጽኡ ህዝብና የሳቕይዎ ኣለው፡፡

መደምደምታ፡-

ጀነራል ፍሊጶስ ኣዛዚ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ ተባሂሉ ተመዚዙ ሽመቱ ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣብቲ እዋን ዝሞቱ ሓለፍትን ጽንብል በዓልን ኣጋጣሚ ንህዝቢ ኤርትራ ሓላቓ ስታፍ ሚ/ሪ ምክልኻል ኤርትራ ተባሂሉ ተገሊጽሉ፡፡ እንተኾነ ብዘይ ወግዓዊ ኣገባብ ንቦታ ሚኒስተር ምክለኻል ጀነራል ሰብሓት ተኪኡ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ስራሕቱ ጀሚሩ ኣሎ፡፡

ኣብ ግዜ ሽመቱ ከም ቅድመ ኩነት ምስ ፕረዚዳንት ዘልዓሎም ሕቶታት ከኣ እዞም ዝስዕቡ ነበሩ፡-

  1. ኩለን ኣሃዱታት ዕቑር ሰራዊት ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ምክለኻል ክጥርነፋ፡፡
  2. ብጀካ ልዕሊ ዕድመን ጥዩስን ዝኾነ ከባቢያዊ ዕጡቕ ካልእ ኩሉ ዕጡቕን ዘይዕጡቕን ኣባል “ህ/ሰራዊት” እቲ “ኩብሉል” ናብ ኣዶ ኣሃዱታቱ ይምለስ እቲ ሳዋ ዘይተዓለመ ናብ ሳዋ ኣትዩ ተዓሊሙ ኣብ ትሕቲ ምክልኻል ተጸንቢሩ ከም ኩሉ ዜጋ ግብኡ ይፍጽም፡ እቲ ኣብ ሚኒስትሪታት (ሰራሕተኛ መንግስቲ) ዝበሃል ዝተጣየሰ ብመሰረት መጣየሲኡ ንምዱብ ስርሑ የካይድ እቲ ስሩዕ መጠየሲ ዘይብሉ ዋላ ኣብ ሚኒስትሪታት ይስራሕ ኦርኔሉን ደሞዙን በሚኒስትሪ ምክልኻል ዝስለዖ ምምሕዳሩ ኣብ ትሕቲ ምክልኻል ስለዝኾነ እቲ ዘመሓድር ትካል ብዛዕባ ቀጻልነቱ ክሳብ ዝውስን ሕጂ ውን ኣባል ሚ/ሪ ምክለኻል ኮይኑ ካብ “ህ/ሰራዊት” ወጺኡ ኣብ ሰስርሑ (ሚኒስትሪታት) ይጸንሕ፡፡
  3. ሓይሊ ኣየር፡ ሓይሊ ባሕሪ፡ ክ/ሰ 84፡ ሜካናይዝድ ኣሃዱታት፡ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻልን ኤርትራ፡ መንግስታዊ ጋራዣትን… ዝበሃሉ ትካላትን ስታፋትን ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሃገር ይኣትው ተጸዋዕነቶም ነቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ይኸውን፡፡
  4. ካብዚ ወጻኢ ኮሎኔል ተስፋልደትን ብ/ጀነራል ሓሊባይን ዝበሃሉ ኣብ ቤ/ጽ ፕረዚዳንት ኮይኖም ንሚኒስትሪ ምክልኻል ብላዕለዋይነት ዝሓማዝቑ ጫለይዳ ኣብያተ ጽሕፈት ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢዶም ከልዕሉ…ዝብሉ ነበሩ፡፡

እምበኣር ከስ ብመሰረት ቅድመ ኩነት ፍሊጶስ እዞም ላዕሊ ዝረኣናዮም ምፍራስ “ህ/ሰራዊት” ተግባራዊ ይኾኑ ከምዘለው ከም ሓደ መረጋገጺ ጭብጢ ኢዩ፡፡ ብተወሳኺ እተን ኣብ ትሕቲ ፕረዚዳንት ቀጥታ ዝምርሓ ዝነበራ 8 ዕቑር ክፍላተ ሰራዊት ናብ ሚ/ሪ ምክልኻል ተመሊሰን በቢግንባሩ ይምርሓ ኣለዋ፡፡ ድሮ ብወዲ ኣንጤኖስ ዝምራሕ ክ/ሰ 55ን ብኮሎኔል ዓስቡ ዝምራሕ ክ/ሰ 53 ቀጥታ ኣብ ትሕቲ ኣዛዚ ማእከላይ ግንባር ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሚኤል ቻይና ይእዘዛ ኣለዋ፡፡

ፕረዚዳንት ሃገረ ኤርትራ ነዚ ናይ ጀነራል ፍሊጶስ ቅድመ ኩነት ከመይ ተቐቢልዎ? ንብዙሓት ኣዘራራቢ ጉዳይ ኢዩ፡፡ ብሓደ ገጽ ፕረዚዳንት ጽላኣቱ ብህዝብን ሰራዊትን ሓለፍትን ሰማይ ከምዝዓረገ ስለዝፈለጠ ኣጻፍሩ ምቑራጹ ስለዘረጋገጸ፡ ናይ ምምራሕ ስብእንኡ ስለዝተመንጠለ ከይፈተወ ስልጣኑ ብዝሓየለ ፍሊጶስ ይንጠቕ ኣሎ ክብሉ ከለዉ ብካልእ ወገን ከኣ ፕረዚዳንት ብድሕሪኡ ፍሊጶስ ስልጣን ክብሕት ካብ ሩሑቕ ሓሲቡ እንዳሓረዮ ዝመጸ ምኻኑ፡ ክሳብ መዓልቱ ኣኽቢሩ ክሕብሕቦ ዝኣምነሉ ንሱ ጥራይ ምኻኑ ስለዝኣምን ቀስ ብቐስ ነቲ ስልጣን ኣብ መስርሕ ምርካቡ ከምዝርከብ ዘረጋግጽ ኩነት ምኻኑ ዝግምቱ ወገናት ኣለው፡፡

ኣቡን ድዮስቆሮስ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣለዉ

ኣቡን ድዮስቆሮስ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣለዉ

ኣቡን ድዮስቆሮስ ብዝወረዶም ወቕዒ: ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስንክልና ኣጋጢምዎም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለዉ፡ ደረቕ መግቢ ክወስዱ ስለዘይክእሉ ድማ ሰባት ደጊፎም ፈሳሲ ነገር ከምዝምግብዎም ተፈሊጡ ኣሎ። ከም ውጽኢቱ፡ እታ ኣብ ኤርትራ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ በቲ ናይ ፖለቲካ ልኡኽ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ትምራሕ ኣላ።

ኣቡን ድዮስቆሮስ ኮነ ጳጳሳት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፥ ዕድመ ወዲ ሰብ ድሩት ስለዝኾነ ካብዚ ኣብ ልዕሊ ኣባ ዲዮስቆሮስ ዝወረደ ስንክልና ተማሂሮም፡ ሕጂ ብህይወት እንኰለዉ ምስቶም ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ንስሓን ይቕሬታን ክገብሩ፥ ምስ ኣምላኾም ክዕረቑ እቲ ዝበለጸን ክርስቲያናዊ ግዴታኦም ምዃኑን ከስተውዕሉ ይግባእ። ንርእስኻ ዘይትገብሮ ንኻልኦት ብዛዕባ ንስሓን ይቕሬታን ምምሃር ግና ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ካብ ምዃን ሓሊፉ ዝህቦ ረብሓ ከምዘይብሉ ክርስዕዎ ከምዘይግባእ ብትሕትና ነዘኻክሮም።

ግዳይ ግርህነቶም ዝኾኑ ኣባ ድዮስቆሮስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ብህይወት እናሃለዉ፡ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ግሂሶም ብድፍኢት መራሕቲ ፖለቲካ ዘይሕጋዊ መዓርግ ፓትርያርክነት ዝሓዙ ኣቡን እዮም። ሕጂ ግና ንህይወቶም ኣብ ዘሻቕል ኩነታት ይርከቡ ኣለዉ።

ኣምላኽ ምሕረት ሂቡ ናይ ንስሓ ጊዜ ክህቦም ጸሎትናን ምንዮትናን እዩ።

ኣያታትና ዝሓቅሉ ስፍራ ዒራዒሮ፤ ትሕቲ ዕድመ ህጻውንትና ዝማስንሉ ስፍራ “ቀይሕ ኮኮን”

ኣያታትና ዝሓቅሉ ስፍራ ዒራዒሮ፤ ትሕቲ ዕድመ ህጻውንትና ዝማስንሉ ስፍራ “ቀይሕ ኮኮን”

ብብርሃን ተስፋ

ዒራዒሮን ቀይሕ ኮኮንን፡፡ እታ ሓንቲ ኣብ ከባቢ ፍልፍል ሰሎሙና እታ ካልአይቲ ኣብ ካባቢ ናቕፋ፡ ክልቲአን ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ኣብያተ ማእሰርቲ ’የን፡፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ክልቲአን መቐፈዲ ወለድን ህጻውንትን ዜጋታት ዝኾና መዓስከራት ኣብ ትሕቲ ናይ ቀረባን ርሑቕን ሓለዋ ክ/ሰ 61 ዝመጸውዒዖም ኣሃዱ ዕቑር ሰራዊት ይርከባ፡፡

ካብ መወዳእታ 2010 ክሳብ መፋርቕ 2011 መዕረፊ ነቑጣ ሃንደሳ ምክልኻል ዝነበረ ኢዩ፡፡ ኣብ ወርሒ ሰነ 2011 ‘ኣዱሊስ’ ዝተሰየመ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ ‘ቀይሕ ኮኮን’ ዝጽዋዕ ዘሎ፡፡ ንሸነኽ ጸጋም ታቤላ “እንቋዕ ደሓን መጻእኩም!” ናቕፋ ምስትእለ ዝጎንፈካ 500 ብ300 ዝምግፍሑ ብትሪኳላታ ዝተኸለለን ብውሽጥን ብደገን 35 ዝኾኑ ዕጡቋት ክ/ሰ 61 ዝሕልውዎ ቦታ መቐፈዲ ትሕቲ ዕድመ ዜጋታትና’ዩ፡፡

ከምቲ ስርዓት ህግደፍ ከምስሎ ዝፍትን ‘ቀይሕ ኮኮን’ ኣሕዳሪ ቤ/ትምህርቲ ኣይኮነን፡፡ ከምኡ እንተዝኾውን’ሞ እቶም ሓላፍነት ድሕነት ቆልዑን ምምሃርን ምስትምሃርን መዝታት ዝተውሃቦም ኣካላት መንግስቲ ሚኒስትሪታት ዒዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ሚኒስትሪ ትምህርትን ኣብ ምክያዱ መሪሕ ተራ ምተጻወቱ ነይሮም፡፡ ኣብ ክንድኡ ‘ቀይሕ ኮኮን’ ምሉእ ብምሉእ በሰሜናዊ እዚ ምክልኻል ይካየድ፡፡ ኣተሓሕዛ ኣብቲ መዓስከር ዘለው ቆልዑ እውን (ከምቲ ኣብ ታሕቲ ቀጺሉ ዝርከብ ዝርዘር) መሰላትን ድሕነትን ቆልዑ ዘየውሕስ ጥራይ ዘይኮነስ ንህላውነቶም ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ኩነት ኢዩ፡፡

‘ቀይሕ ኮኮን’ ቁጽሪ ዝስደዱ ዓጃቢ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኤርትራ ክዝቕብብ ምስጀመረ ዝተሃንደሰ ስፍራ ጭካነ ኢዩ፡፡ ዶብ ክሰግሩ ዝተተሓዙ ቆልዑት ጥራይ ግና ኣይኮነን ዘሳቒ፡ ዝኣልዮም ስለዝሰኣኑ ሂወቶም ክጥውሩ ዝፍትኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ምንጪ ኣታዊ ዝኾኑ ንጥፈታት (ስራሕ ኣይታንቲ፡ ምሽቃጥ ማስቲካ፡ ፉል፡ ካልእ ቀንጠመንጥን) ዝሳተፉ ቆልዑ ተናበይቲ ጎደናን ግዳም ሓደራትን እንኮላይ’ምበር፡፡ ግዳያት ቤት ማእሰርቲ ትሕቲ ዕድመ ናቕፋ ካብቶም ዝነኣሱ ደቂ 7 ዓመት ክሳብቶም ዝዓበዩ ደቂ 17 ዓመት ኢዮም፡፡

ኣዋሃሃዲ ቤት ማእሰርቲ ‘ቀይሕ ኮኮን’ ሓምድ ማንጁስ ነባሪ ከረን ክኾውን ከሎ፡ ተሓጋጋዚኡ ድማ ዑስማን ባርካይ ተቐማጢ ናቕፋ ኢዩ፡፡ ኣብ ቀረባ ንሱዳን ዝሃደመ (ብዙሕ ግፍዕታት ከምዝፈጸመ ዝዝረበሉ) ወልደዝጊ ወዲ ዓዲ ተከሌዛን ከኣ ከም ሓላፊ ምሕደራ ጸኒሑ፡፡

ናብ ቀጽሪ ‘ቀይሕ ኮኮን’ እትው ምስበልካ ፈለማ እትረኽቦ ክፍልታት ከም ቤት ጽሕፈት ምምሕዳርን መንበሪ ሓለፍቲ እቲ መዓስከርን ኮይኑ ዘገልግል ገዛውቲ ኢዩ፡፡ ነዚ ምስዝሓለፍካ እንዳ 53፡ እንዳ 61 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ካብ ዞባ ደቡብ ተገፊፎም ኣብ መዕለሚ ክ/ሰ 53 (ገርገራ) ድሕሪ ምእታዎም ዝመጹን ካብ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዓንሰባን ጋሽባርካን ተተኣርዮም ብመዐለሚ እንዳ 61 (ናቕፋ) ዝሓልፉን ዘለውዎ ሃንገር ትረክብ፡፡ በዝሖም 140 ኮይኑ ካብ ደቂ 15 ክሳብ ደቂ 17 ዝኾኑ ኢዮም፡፡

ንውሽጢ ምስዝቐጸልካ ዝገጥመካ ሃንገር ደቂ ኣንስትዮ ዘለውኦ ብእንዳ ኣዋልድ ዝጽዋዕ ኢዩ፡፡ ኣስታት 100 ትሕቲ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ ሒዙ ከኣ ይርከብ፡፡ ኩነታተን ዝያዳ ዘሕዝን ዝገብሮ፡ ኣገልግሎተን ናይ ጾታዊ ርክብ ገረዳትን ምኻነን ኢዩ፡፡ ምኽሻን፡ ሕጽቦ፡ ምጽራይ መሕደርን ቤት ጽሕፈት ሓለፍትን ኣባላትን እቲ መዓስከር ናይ ወትሩ ዕማመን ኢዩ፡፡ ብፍላይ ናርዋ (ጓል ቀምጭዋ)፤ ሰምሃር (ጓል ተሰነይ)፡ ሳምያ (ጓል ጎልጅ)፡ ኑራን ወይንን ብነጻ ነቶም ሰለስተ ሓለፍቲ እቲ መዓስከር ዝኽድማ ኢየን፡፡

ድፍረት ሓለፍትን ኣባላትን ‘ቀይሕ ኮኮን’ ኣዚዩ’ዩ ዘሕንኽ፡፡ ከይሓፈሩን ብዓውታን ብዛዕባ ዝተጋሰሱወን ግዳያቶም ይዛረቡ፡፡ ንዝመረጽወን ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድ ቀትሪ እንተኾይኑ ናብ ቤት ጽሕፈቶም ወይ እውን መደቀሲኦም ብምጽዋዕ፡ እንተመስዩ ከኣ ክውል ዝበለ ኩርንዓት ንመሳኪን ቆልዑ ይጋሰሱን ይብድሉን፡፡ ዝብደላ ኣዋልድ ንጠለባት ሓለፍተን ኮነ ኣባላት እቲ መዓስከር ክነጽጋ ኣይክእላን ኢየን፡፡ ምኽንያቱ ዝሓተትወን እንተዘይፈጺመን ኣተሓሕዛ የጽንዑለን ንዝገብርኦ ናእሽቱ ጌጋታት ብምግናን ኣካቢዶም ይቐጽዕወን ብዘይካ ባህጎም ምምላእ ካልእ ኣማራጺ የብለንን፡፡ እንተኣእወያ’ከ መን ሰማዒ ኣለወን?

14 ዝዕድሚኣ ጓል ኣስመራ ዝኾነት መርሃዊት፡ 16 ዝዕድሚኣ ስድርኣ ጎልጅ ዝምቕማጦም ሰምሃር፡ 14 ዝዕድሚኣ ጋል ኣስመራ ዊንታ፡ 15 ዝዕድሚኣ ኣብ ተኺሎ ከባቢ ማይዓይኒ ዝዓዳ ኣልማዝ፡ ጓል 15 ዓመት ኣስመራ ዝምቕማጣ ሰምሃር፡ ጓል ጎልጅ ዝኾነት 16 ዝዕድሚኣ ዊንታ፡ 17 ዝዕድሚኣ ጓል ጾሮና መርሃዊት፡ 14 ዝዕድሚኣ ነጃት ተቐማጢት ኣስመራ፡ 17 ዝገበረት ኬርያ ጓል ተሰነይ፡ 17 ዝዕድሚኣ ተሰነይ ዝምቕማጣ መርሃዊት…ገለ ካብተን ብዘይድልየተነትን ትሕት ዕድሚአን ብዘይድልየተን ጾታዊ ርክብ ክገብራ ዝተገደዳ ግዳያት ኢየን፡፡

ድሕሪ እንዳ ኣዋልድ ዝርከብ ሃንገር ‘ፊደል ፐ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነኣሱ ኡሱራት ዘለውዎ ኢዩ፡፡ ኣብዚ ዝርከቡ ቆልዑ ካብ ደቂ 7 ዓመት ክሳብ ደቂ 12 ዓመት ኮይኖም በዝሖም 120 ኣቢሉ ይኾን፡፡

ዓራርብ ቀጺሉ ዝጎንፈካ ሃንገር ኮይኑ ካብ 13 ክሳብ 17 ዝዕድሚኦም 130 ዝኾኑ ኡሱራት ህጻውንቲ ዝሓዘ ኢዩ፡፡
ነዚ ብዝሓለፍካ እንዳሚኒስትሪ ተባሂሉ ዝፍለጥ ከም መማህራን ኮይኖም ዘገልግሉ መናእሰያት ዝቕመጥሉ ገዛውቲ ትረክብ፡፡ እዞም መናእሰያት ዶብ ክሰግሩ ዝተታሓዙ ኮይኖም ብቁጽሪ 21 ይበጽሑ፡፡ ካብዚኣቶም 4 ደቂኣንስትዮ ኢየን፡፡

ኣብ መወዳእታ እትረኽቦ ሃንገር ድማ ‘ደንደን ሰውራ’ ዝብልዎ ኮይኑ ኣስታት 130 ቆልዑት ዝሓዘ ኢዩ፡፡ ካብ 14 ክሳብ 16 ዝዕድሚኦም ከኣ ኢዮም፡፡

ጠቕላላ ካብ 640- 700 ዝበጽሑ ካብዚኦም 100 ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብዎም ትሕቲ ዕድመ ህጻውንትን በዝሖም 21 ዝኾኑ ልዕሊ ዕድመ ብገበን ስግረ ዶብ ዝተቐየዱ መማህራኖም ዝበሃሉ እሱራት ዜጋታትን ዘለውዎ ኢዩ፡፡

ኣከፋፍላ ወይ ኣሰፋፍራ ኡሱራት ቀይሕ ኮኮን ኣብ ኣመጻጽእኦም ዕድሚኦምን ጾታን ይምርኮስ፡፡ ንዝሰፍርሉ ቦታታት ዝተውሃቦ ስያመታት ዝምልከት ከኣ ካብ ታባታት ናቕፋን ዝገፈፍኦም ኣሃዱታትን ዝተወስደ ኢዩ፡፡

ኣብ ‘ቀይሕ ኮኮን’ ስማዊ ትምህርቲ ንህጻውንቲ በቶም ኡሱራት ዓበይቲ መናእሰያት ይወሃብ እኳ እንተኾነ ኣድማዕነት የብሉን፡፡ እዚ ዝወሃብ ትምህርቲ ንናይ ሚዲያ ሃልኪ ወይ ረኣዩለይ ኢልካ ዝወሃብ እዩ፡፡ ተምሃሮ ኣብ ክንዲ በቢደረጅኦም ተሓዋዊሶም ይመሃሩ፡፡ 1ይን 2ይን ክፍሊ ብሓባር፡ 3ይን 4ይን ክፍሊ ብሓባር ኣብ ሓደ ክላስ ተሓዋዊሶም ይመሃሩ፡፡ መምህር ናይ ቀዳማይ ክፍሊ ከምህር ይጸንሕ’ሞ መሊሱ ናይ ካልኣይ ትምህርቲ ይምህር፡፡ ናይ ካልኣይ ክፍሊ ክምህር እንተጸኒሑ ናብ ናይ ራብዓይ ክፍሊ ምምሃር ይቕጽል….ዋላ’ኳ ‘11 ክፍሊ እንተወዲእኩም ናይ ማትሪክ ምስታፍ ዕድል ክወሃበኩም ኢዩ’ ዝብል መብጽዓ ንቕዩዳት ይኣተውሎም እምበር፡ ን11 ክፍሊ ወዲኦም ዝተብሃሉ ኣብ ክንዲ ናይ ማትሪክ ምስታፍ ዕድል ኣባል ሓለዋ ናይቲ ቤት ማሕቡስ ናይ ምኻን ዕድል ኢዩ ተዋሂብዎም፡፡ ልዕሊ ኩሉ ግና ኣተሓሕዘኦም ከቢድ ስለዝኾነ ቆልዑ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ዝወሃቦም ስማዊ ትምህርቲ ዝሓስቡ ብዛዕባ ከመይ ገይሮም ከምልጡ ከምዝኽእሉ እዮም ዝሓስቡ፡፡

መነባብሮ ትሕቲ ዕድመ ኡሱራት ኣዝዩ ኢዩ ዘሰንብድ፡፡ ሓንቲ ኩባያ ሻሂ ምስ ክልተ ባኒ መሸላ ምስቆረሱ፡ ኣብ ምሳሕን ድራርን ክልተ ጭልፋ ዓደስ ኣብ 10 ሰብን ከክልተ ባኒ ምሸላን ይዕደሉ፡፡ ዝወሃቦም ጸብሒ ኣኣጥሊቕካ ወይ ከኣ በጅቢጅካ ዘብልዕ ስለዘይኮነ ባኒ ኣንኪሎም ጸብሒ የንጥብሉ፡፡ ኣብ ‘ቀይሕ ኮኮን’ ዘሎ ጥሜት ኣመና ሕሱም ኢዩ፡፡

ዝሰትይዎ ኮነ ዝሕጸብዎ ማይ ጨዋም ኢዩ፡፡ ኣብ ክንደይ ንሱ ግን እኹል ኣይኮነን፡፡ እተመደበትሎም ቦጥ ዕድሎም እንተጸቢቑ ኣብ ሳልስቲ ራብዕቲ ትመጾም እንተዘይኮይኑአ ሰሙንን ልእሊኡን ይጽበዩ፡፡ ብፍላይ ንነሰብሶም ዝኾውን ማይ ኣዝዮም ኢዮም ዝሽገሩ፡፡ ዕድል ዝገበረ ኣብ ክልተ ሰሙን ይሕጸብ ዕድል ዘይገበረ ድማ ዕድሉ ይጽበ፡፡

ዝሽረፎም ሳሙና ኮነ ጫማ የለን፡፡ ከምቶም ደቂ ሳሕል ኣያታቶም ብጅፊዒት ከይሕጸቡ እኳ እቲ ዘለውዎ ቦታ ኣመና ምድረ ባዳ ስለዝኾነ ጅፍዒት ከብቁል ኣይከኣለን፡፡ ክዳውንቲ’ውን ከምኡ፡፡ ጸሎት ግዳያት ዝኾኑ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ስድርኦም ኣበይ ከምዘለው ክፈልጡ’ሞ ዘድልዮም ሳሙና ኮነ ጫማ ወይ ውን ካልእ ክሰዱሎም ኢዩ፡፡

ኤለክትሪክ ን4 ሰዓታት ማለት ካብ ሰዓት 6፡00 ክሳብ ሰዓት 10፡00 ናይ ሚሸት ጥራይ ይረኽቡ፡፡ ተሌቭዥን ኮነ ሬዲዮ ዝበሃል የብሎምን፡፡ ሃገራዊ ኣህጉራዊ ሓበሬታ ናይ ምስማዕ መሰሎም ዝተዓግቱ ኢዮም፡፡ ከይሃድሙ ስለዝፈርሕዎም ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከም ኩዕሾ እግሪ መሳሊ ስፖርታዊ መዘናጊዒታት ክገብሩ ኣይፍቀዶሎምን፡፡

ቴሌፎን ምድዋል ኮነ ደብዳቤ ምጽሓፍ ከም ነውሪ’ዩ ዝቑጸር፡፡ ሃለዋት ደቆም ብሰበብ ሓቲቶም ክበጽሑ ዝመጹ ስድራቤት ንደቆም ኣብ ‘እንዳኣጋይሽ’ ኢሎም ሰፋሮ እቲ መዓስከር ዝጽውዕዋ ዓባይ ገረብ ኣብ ኣፍደገ እቲ መዓስከር ን15 ደቓይቕ ኣብ ቅድሚ ዋርድያ ክራኸቡ ጥራሕ ይፍቀደሎም፡፡ ዝመጾም መግቢ ኮነ ካልእ ዝብላዕ ነገር እንተሃሊዩ ኣብኡ ኮይኖም በሊዖም ይምለሱ፡፡

ናብ ምግብናን ናብ ክላስን እንተዘይኮይኑ እሱራት ‘ቀይሕ ኮኮን’ ካብ መደቀሲኦም ወጻኢ ተወዝ ክብሉ ኣይክአሉን፡፡ ንሽንቲ ኣብ ዝኸድሉ ግዜ ተሰሪዖምን ብወትሃደራት ተኸቢቦምን ይወጹ፡፡ ብፍላይ ደንደን ሰውራን ዓራርብን ኣዝዮም ጥርጡራት ስለዝኾኑ ኣብ መደቀሲኦም ከለው”ውን ብደገ ይዕጸው፡፡ ብገለ ቆልዑት ህድማ ኣብዘጋጠመሉ እዋን’ሞ ዝገደደ ኩላቶም እሱራት ቆሎውዕ ጫምኦም ተሓዲጎም ጥራይ እግሮም ከምዝኸዱ ይግበር፡፡

መደቀሲኦም ተንኮበት ኢዩ፡፡ ዝሓድርሉ ምድርቤት ንኩላቶም ዝኣክል ስለዘይኮነ ኮርቴሎ ብዝብልዎ ኣደቓቕሳ ይድቅሱ፡፡ እዚ ማለት ከኣ በቢክልተ ሕቖኦም እንዳተወሃሃቡ ብጎድኒ ካብ ሓደ ጫፍ ናይቲ ገዛ መንጽሩ ጫፍ ብምድቃስ ሓደ መስርዕ (መስመር) ይፈጥሩ እሞ ካልኦት ከኣ ከም ናቶም ብጎኖም እንዳደቀሱን ሕቖኦም እንዳተወሃሃቡን እግሮም ምስቶም ቀደማይ መስመር ዝደቀሱ ይተናኸፉ ማለት ኢዩ፡፡ እተን ዝሓሸ መደቀሲ ዘለወን ደቂኣንስትዮ ኣብ ሓደ ዓራት ክልተ ይድቅሳ፡፡

ሳዕቤን ኩቱር ጥሜትን ጉድለት ጽሬትን ቆልዑ ‘ቀይሕ ኮኮን’ ካብቲ ቦታ ዘይፍለዩ ሕማማት ሓካኪን (ዓበቕ)፡ ሓሳስያ፡ ፍሮማይ፡ ዓሶን ዓባይ ሰዓልን ኢዮም፡፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ሕክምና ስለዘየለ ከኣ ዝኽሰቱ ሕሙማት ዘይመሓርቲ ይገብሮም፡፡ ቆልዑ ምስተኸኣሉ ጥራይ ኢዮም ኣብ እንግዳዕ ትሕቲ ዕድመ ብጾቶም ተጸይሮም ብኽልተ ወይ ሰለስተ ካብ ሓለውቶም ተዓጂቦም ናብ መደበር ጥዕና ከተማ ናቕፋ ዝኸዱ፡፡ እዚ ዕድል ኣብ ዝረኽብሉ ግና ነብሶምን ናይ ምጽዋር ዓቕሞምን ድሮ ተወዲኡ ስለዝጸንሕ ናይ ምድሓን ዕድል ዳርጋ የብሎምን፡፡

ናይዚ ምስክር ከኣ ብዝሒ ዝሞቱ ዘለው ቆልዑ ኢዩ፡፡ ዛጊት 35 ቆልዑ ሞይቶም ኣለው፡፡ ዝሞቱ ቆልዑ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ናቕፋ ብዘይዝኾነ ሬሴኦም ዘዕርፍሉ ቦታ ዝሕብር እምኒ መቓብር ወይ ካልእ ምልክት ይቕበሩ፡፡ ዝሞቱ ብትሕቲ ዕድመ ብጾቶም”ዮም ዝቕበሩ፡፡ ምቕባር ግና ዝለመድዎ ግና ዝለመድዎ ዕዮ ኢዩ፡፡ ምኽንያቱ ዋላ ነቶም ካብ መደበር ታዕሊም ዕቑር ክ/ሰ 61 ናቕፋ ክሃድሙ ምስፈተኑ ብጥዩት ተመልከተለይ ተተሃሪሞም ዝሞቱ ዝቐረብርዎም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ቀይሕ ኮኮን ኢዮም፡፡ ሰሙናዊ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክፍሊ ታዕሊም ክ/ሰ 61 ክሃድሙ ዝፈተኑ ክልተ ሰለስተ ይቕበሩ፡፡ ንስድራቤት ብዛዕባ ሞት ደቆም ኣይሕበሮምን ኢዩ፡፡ እዞም ዝስዕቡ ገለ ካብቶም ኣብ ቀይሕ ኮኮን ዝሞቱ ኢዮም፡፡

ካብ ኣኽርያ ኣስመራ ዝተገፈ ወዲ 7 ዓመት ችኬ፡ 17 ዓመት ዝዕድምኡ ወዲ ከረን ተሓኒቑ ዝሞተ ሄርሞን ናይዝጊ፡ ወዲ 17 ዓመት ፊልሞን ካብ ኣስመራ፡ ወዲ 7 ዓመት ናትናኤል ካብ ኣስመራ፡ 7 ዓመት ዝዕድሚኡ ሓደ ንኣዲኡ ሄርሞን ካብ ማይተመናይ ኣስመራ፡ 15 ዝዕድሚኤ ሳልሕ ካብ ኣፍ ዓበት ወዲ 14 ዓመት ዛይድ ካብ ኣስመራ ….ወዘተ
ኣቀጻጽዓ እሱራት ትሕቲ ዕድመ ቀይሕ ኮኮን ከም ኣተሓሕዘኦምን ጭካነ ዝመልኦ ኢዩ፡፡ መግቢ ምኽላእ ኣብ መሬት ከምዘንገርግሩ ምግባር፡ ብደዎም ከለው ማይ ኪዒኻ ብበትሪ ምግራፍ፡ ክሳዕ ሓይሎም ዝጠልሞም ፍትለን ሓፍኮፍን ከምዝብሉ ምግባር ኣብ ከም ሻላ ዝጥቀምሉ ሽቓቓት ምዕጻው፡፡

ኣብ ከም ሸላ ዘገልግሉ ሽቓቓት ብምዕጻው ክቕጽዑ ዝተፈርዶም ቆልዑ ንመዓልታት ዝጸንሑ ኮይኖም ኣብ ዝተዓጸውሉ ሽቓቕ ቀልቀል ኮነ ሽንቲ ማይ ይወጹ፡፡ ማይ ብናይ ሊትሮ መትሓዚ ማይ ሰሓ ጥራይ ይወሃቦም፡፡ ገለ ካብቶም ኣብ ከም ሸላ ዘገልግሉ ሽቓቓት ተዓጺዮም ነዊሕ ዝገበሩ ኢሳያስ ተስፋይ ካብ ዓዲኻላ ወዲ 17 ዓመትን ናሆም ወይ ጆንሲና ወዲ 16 ዓመትን ይርከብዎም፡፡

ኣብ ምድኳን ቤት ማእሰርቲ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ‘ቀይሕ ኮኮን’ ዝለዓለ ኣበርክቶ ካብ ዝነበሮምን ኣብ ምክያዱ እውን ብቐጥታ ክሳተፉ ዝጸንሑ ላዕለዎት ሰበስልጣናት ብቀዳምነት ዝጥቀሱ ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ (ተኽለ ማንጁስ) ከምኡ’ውን ሌትናንት ኮሎኔል ፍጹም (ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ እዚ ሰሜን) ክኾኑ ከለው፡ ኣብ ምክትታልን ሓለዋን እቲ ቦታን ኣብ ምቁጽጻር ድስፕሊንን ምቕጻዕ ኣባላት እቲ መዓስከርን ድማ ኮሎኔል በረኸት መብራህቱ (ኮሮንፎት) (ኣዛዚ ዕቑር ክ/ሰ 61)፡ ሚግ ( ሓለቓ ስታፍ ዕቑር ክ/ሰራዊት 61፡ ተለንተ ገዛኢ (ስታፍ ምምሕዳር ዕቑር ክ/ሰ 61)፡ ኣቦይ ርጉም (ኣዛዚ ክፍሊ ተሃድሶ ዕቑር ክ/ሰራዊት ናቕፋ) ከምኡ’ውን ወዲ ሱዳን ኣዛዚ ክፍሊ ታዕሊም ዕቑር ክ/ሰ 61 እዮም፡፡

ጭካነን ክፋእን ቀይሕ ኮኮን ብቓላት ዝግለጽ ኣይኮነን፡፡ ዕምቆት ሕሰምን ጸበባን እሱራት ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ከምቲ ንሳቶም ዝነብርዎ ዘለው ሂወት ዘሕለፈ ጥራሕ ኢዩ ክርድኦ ዝኽእል፡፡ ሓደ ነገር ግን ንጹር ኢዩ፡፡ ‘ዒራዒሮ’ ዝሰልጠኑን ዝዓበዩን ኣቦታትና ዝሓቅሉ ስፍራ፡ “ቀይሕ ኮኮን” ከኣ ዝነኣሱ ትሕቲ ዕድመ ህጻውንትና ዝማስንሉ ስፍራ ማለት ኢዩ፡፡

 

WegahtaSalina…

 

 

ሰብ ጋዕሲ!

ሰብ ጋዕሲ!
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ ሓምለ 14-14

እነሆ እጹብ ድንቂ! ‘ንሕናማቕ ዘመንሲ በዓል ጋዕሳ’ለዋ!’ እዞም ሰብ ጋዕሲ እዚኣቶም ኤርትራን ህዝባን ንምጽናት ዝተዘርኡ ዘርኢ ዳንዴር ኢዮም። ከምዚ ናይ ኤርትራ ዝመሳሰል ግርንቢጥ ኣይተራእየን። ኣብ መሬት ኤርትራ ብድሕሪ እቲ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነት መን’ዩ ብመንነቱን ታሪኹን ክሕበን ዝግበኦ ዝነበረ? ከምቲ ‘ንተከዘ ኣነ ዝደልያ ብሕምብርቲ፡ ንሳ ዝመጸትኒ ብቅርቅርቲ’ ዝበሎ በዓል ተከዘ፣ ንሕና ዝተጸበና፡ ሓርነትን ፍትሒን፤ ሰብ ጋዕሲ ዝፈደዩና ግን ስደትን ሞትን! እዛ ምድረ-ሰማእታት ሰብ ጋዕሲ ረኺባ፣ ሕማቕ ዘመን ኣጋጢሙ።

እቶም ንውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ መሪሖም ናብ ናጽነት ዝኣተዉ ገዳይም ተጋደልቲ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ናብ ህዝቢ ነሰጋግር፡ ብሕጊን ቅዋምን ንማእዘዝ፡ ሕጊ ይንገስ ዝበሉ ደቀባት ንኣራዊት’ኳ ዘይትምነዮ ሕሰም ተፈድዮም ንሓዋሩ ጠፊኦም ኢዮም። ሽዑ ንሽዑ ድማ እቶም ኣብ ትሕቲ ሕቑፊ ኢሳይያስ ኣብ ምምስራት ህግደፍ ዝተጨጭሑ ጨቓዊት ኣትማን የማነ ማንከይን ሓጎስ ክሻን ንሙሉእ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ባይታ ኤርትራ ገበትዎ።

ብድሕሪ ምእሳር ሚኒስተራት፡ ምድስካል ብዙሓት ተጋደልቲ ሰዓበ። ብድሕሪ ምድስካል’ውን ማእሰርቲን ብዝተፈላለየ ኣገባባት ቅንጸላን ክሳብ ሎሚ ይቕጽል ኣሎ። ምድስካል፡ ኣብ ዘመነ ሰብ ጋዕሲ ዝተራእየ ፍልስፍና ኢዩ። ኣብ ዘመነ ህግደፍ ንሃገርን ህዝቢን ዝሓሊ ሓላፊ የድሊ ኣይነበረን። ድሕሪ ምድስካል ናይ ገዳይም ሓለፍቲ፣ ካብ 1999፣ ብፍላይ ድማ ድሕሪ 2001 ኣብ ኩሉ ምምሕዳራትን መንግስታዊ መሳርዕን ህግደፍ ዝበላ ከም ፓፓጋሎ ክደግሙ ዝውዕሉ መልሚሎምን መምዮምን መልእዎም። እምባትካላን ናቕፋን ከኣ መመልመሊ ካድረታት ህግደፍ ኮና። ሎሚ ኣብ ዝኾነ ቤት ጽሕፈት ንህዝቢ ሓቀኛ ፍታሕ ዝገብር ሓላፊ ይድለ የሎን። ንህዝቢ ፍታሕ ክግበር ስለዘይተደልየ፡ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኩሉ ነገር የለን።

ሕማቕ ዘመን በዓል ጋዕሳ’ለዋ! ፈላሚ ዘርኢ ክርዳድ ኢሳይያስን ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍን ኣብ ወሳኒ መንግስታዊ ሓላፍነት፣ ከምኡ እውን ኣብ መብዛሕትኡ መንግስታዊ ጽፍሕታት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ናብ ወጻኢ ሃገራት ብዝለዓለ ሓላፍነት ሰባት ንምምዳብ ዝጥቀሙሉ ቀንዲ ረቛሒታት፦ መበቆል ትውልዲ ኢዩ። ኤርትራዊ ዓሻ! ከምቲ ውሕጅ እናሰሓቕካ ኢዩ ዝወስድ ዝበሃል፣ እናሰሓቕካን ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ደቅኻ እናሳዕሳዕካን ሰብ ጋዕሲ ናብ ቃሕ ዝበሎም መሮር ወሲዶም ከጥፍኡኻ ኢዮም ዝሰርሑ ዘሎ’ሞ ኣዒንትኻ ክፈት።

ስለዚ ካብዚ ስትራተጂ’ዚ ብምብጋስ ኣመራርጻ ህግደፍ፡ ናይቲ ናብ ሓላፍነት ዝመጽእ ሰብ፣ ናይ ግድን ናይ መንነት ቅልውላው ወይ ስክፍታ ዘለዎ ንክኸውን ይምረጽ። (ናይቲ ኣቐዲሙ ዝረሰነ እምኒ ብርኩታ፡ ሎሚ ብርኩታ ደምህት ክብርኮት ምርኣይ’ምበኣር ከም ዋዛ ዝቦቐለ፡ ተኽሊ ደምበ ኣይኮነን። እዛ ብርኩታ ኣብ ውሽጣ እምኒ ኣላታ!) እዚ ብዙሓት ከም ሕፍረት ዝርእዩዎ’ኳ እንተኾኑ፡ ከም ጸሓይ ጾመ-ኣርብዓ በጣዕጣዕ ዝበለ ሓቂ ኢዩ። እቶም ንሓላፍነት ዝተመርጹ ሰባት ከኣ ኣብቲ ዝወሃቦም ቦታ ገበርትን ሓደግትን ናይ ምዃን መሰል ይረኽቡ። እዚ ከምዚ ዓይነት ኣመድድባ ብፍላይ ካብ ምእሳር ጉጅለ 15 ብጋህዲ ተራእዩ ኢዩ።

ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ድኹም ጎድንታት ዝነበሮም ሰባት ናብ ሕጸ ንሓላፍነት ይቀርቡ ኢዮም። ኣብ ኲናት ክፈርሑ ብሰባት ዝተራእዩ፣ ብዝነበሮም ድኻም ዝተፈላለየ ጌጋታት ተኣሲሮም ዝነበሩ፡ ኣብ ሜዳን ብድሕሪ ናጽነትን ብኢሳይያስ ዝተጸፍዑ፣ ወ.ዘ.ተ…ደቂቕ መጽናዕቲ እናተገብረ ናብ ሓላፍነት ደየቡ። ምኽንያቱ እቶም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ርእሰ-ምትእምማን ኣጥፊኦም ስለዝነበሩ፣ ኣብ ሰብ ጋዕሲ ዝነገሱሉ ሕማቕ ዘመን ምእዙዛት ኮይኖም ከም ዝኸዱ ተጸኒዑ ነበረ። ናብ ብልሽዉና ቀልጡፎም ክኣትዉ ዝኽእሉ ስሱዓት፣ ወይ ኣቐዲሞም ኣትዮም ዝነበሩ’ሞ ማእሰርቲ ወይ ምድስካል ኢሳይያስ ዝቐመሱ።

ብህርፋን ገንዘብ ከምባሁቑ ዝሓድሩ፡ ሓለፍቲ ንክኾኑ ይድለ። በዚ ከኣ ኣብቲ ሓቢርና ንብላዕ ዝበሃለሉ ዘሎ ግዜ ሰብ ጋዕሲ፣ ሓቢሮም ይበልዑ። ንምእላይ ኣብ ዝድለየሉ ድማ፣ ብብልሽውና ኣመኽንዮም ከውርድዎም ስለዝኽእሉ፤ ብዓይኒ ኢሳይያስ ምቹእ ሕርያ ተገብረሎም። ርእሰ-ተኣማንነት ዘይብሎም፣ ዝተባህሎም ጥራይ ዝገብሩ፣ ብዛዕባ ከብዶም ጥራይ ዝሓስቡ፡ ጉዳይ ህዝቢ ናብ ጉድጓድ ይእቶ ዘይግድሶም፣ ምእዙዛትን እሺ በሃልትን ሰባት ንክኾኑ ደቂቕ ገምጋም ተገብረ። ከምቲ ‘ኣፍንጫ እንተተሃርመት ዓይኒ ትነብዕ’ ዝበሃል፡ ህዝቡ ክሳቐን ክዕመጽን ብሕልና ትም ዘይብል ኤርትራዊ፡ ህዝበይ ኣይበደል ዝብል ወደባት፡ በብግዚኡ ካብ ሃገር ከም ዝባረር ተገብረ።

ኣመራርጻ ሰብ ጋዕሲ፡ ናይ ቀረባ ዘመድ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ወይ ዘመድ ኣንስቲ ሓለፍቲ ህግደፍ ንክኾኑ ሓያለይ መጽናዕቲ ይግበረሎም ነበረ። መሰል ብሄራት፣ ሃይማኖታት ወይ መሰል ደቀንስትዮ ዝተሓለወ ንምምሳል፣ ምንም እንዶ ምምሕዳርን ተቐባልነትን ዘይብሎምን ዘይብለንን ሰባት ናብ ዝለዓለ ሓላፍነትን መዝነትን ምምዳብ ሓደ ካብቲ ሰብ ጋዕሲ ዝወጠንዎ ፕላን ኢዩ። ክሳብ ዝደልዎም ክጥቀሙሎም ዝደልዩ ፈላጣትን ምሁራትን በብመልክዖም ምሓዝ። ምስ ተጠቕሙሎም ከም ዲስፖሳብል ሲሪንጋ ምድርባይ ሓደ ካብ ጸወታ ገበጣ ሰብ ጋዕሲ ኢዩ።

ናይ ምሕሳው፣ ሰባት ምውቓዕ፡ ወረን ቤላቤለውን ምብታንን ናይ ፕሮፓጋንዳ ክእለት ዘለዎምን፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ድማ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ምፍልላይን ምጉጅጃልን ንምፍጣር ናይ ክፍኣት ተዋሳእቲ ስለዝኾኑ ኣብ ቅድሚ ሰብ ጋዕሲ ቅቡላት ኢዮም። ኣዝዮም ጨካናት፡ ወይ ቀንጸልቲ ንክኾኑ ባህርያቶም ዝተፈልጠ፤ ደቂቕ ሕርያ ይግበረሎም ነበረ።

ሰብ ጋዕሲ፡ ኣብ ዘመኖም ካብ መዝገብ ዝሓኸኽዎም ዓበይቲ ጉዳያት፤

ካብ ግዜ ናጽነት ክሳብ ሎሚ /ክፍላ 2014/ መብጽዓ ዝተገብረሎምን ዝተረስዑን ጉዳያት ጸብጺብካ ዝውድኡ ኣይኮኑን። ብጥውይዋይ ልቢ ዝምራሕ መንግስቲ ህግደፍ፣ መንግስቲ ሓሶትን ምትላልን ኢዩ። ትማሊ ዝተባህለ ሎሚ ዝርስዕ ህዝቢ ብምርካቡ ከኣ ዕድለኛ ገበሮ። ጉዳይ እስትሕጋግ ተጋደልቲ፤ /እቲ ብ1993 ዝተኣወጀ ኣነዋሪ ጉዳይ እስትሕጋግ ማለት ሂወቱ ንዝኸፍል ሓደ ተጋዳላይ 1 ዶላር ንመዓልቲ ኢዩ ተባሂሉ ዝነበረ። ካብ በሃሊኡስ ደጋሚኡ ከም ዝበሃል ከኣ፣ ንክደግሞ’ውን ስኽፍ-ክፍ ዘብል ካሕሳ ኢዩ።

ኣብቲ ንምእማኑ ዘጸግም ዘመን-ጊንጢነት ሂወቱ ዝኸፍል ዝነበረ ኤርትራዊ፣ ንመዓልቲ $1 ኢኻ ትኽፈል ማለት፤ ልዕሊ ርእሲ ዝደየበ ንዕቀት ጥራይ ኢዩ ነይሩ። እቲ ካብ ኩሉ ማሕበራዊ ቀጸላታት፣ ሃይማኖታት፣ ብሄራትን ብዝተፈላለየ ዕድመን ጾታን ዝተዛነቐ፤ ንነፍሱ ረሲዑ ከም ደመ-ዎ ስጋሁ ዝተቐበለ ባሕታዊ ዝመስል፣ ስለ ሃገሩን ህዝቡን ቆራቢን ሰጋዲን ተጋዳላይ፡ ማዕረ ሓደ ጊልያ ዝሰርሖ’ውን ንክኽፈል ዕድል ኣይረኸበን።

ሽዑ ይዋእ! ተጋዳላይ ካልኩለተር ገይሩ ከርብሕ ይውዕል ነበረ። 15 ዓመታት ዝተጋደለ ሰብ ብ 365 መዓልታት ምስ ኣርብሖ፣ ብሕሳብ ንመዓልቲ ከኣ ብሓደ ዶላር ምስ ናይ ሽዑ ምጣነ-ሸርፊ ብ7.2 ገይሩ ሕሳቡ 39,420 ብር ይኾነለይ ኢሉ ኣንባሃቘ። መስደምም’ዩ! ሰብ ጋዕሲ ኣብቲ ግዜ’ቲ መኽፈሊ ጋር ነፍሲ ኣስታት 70 ሽሕ በጺሑ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ ደበስ ንስድራ ቤት ስዉኣት ግን 10 ሽሕ ጥራይ ንክኸውን ተኣወጀ። ወላ እቲ ድሩት መብጽዓ ግን ኣይተረኽበን። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ጉጅለ 15 ኣብ 2001 ዘይኮኑስ፡ ኣቐዲሞም ተእእሲሮም ከም ዝነበሩ ኢዩ ዝበርህ ዘሎ።

ብድሕሪ ኣድማ ተጋደልቲ ብዝተገብረ ምእሳርን በብቑሩብ ብዝሰዓበ ምብትታን ህ.ግ.ሓ.ኤርትራን ምእሳር ገዳይም መሪሕነት፣ ምስራት ኣስካሕካሒ ውልቀ-ምልኪን ፋሕ-ጭንግራሕ ህዝቢን ምስ ሰዓበ፣ ጉዳይ ስትሕጋግን ደበስን ከም ሕማም ሕርሲ ተረሲዑ ተረፈ። እምበኣርከስ እቲ ብሰበብ ባድመ ዝተወልዐ ኲናት፣ ሰብ ጋዕሲ ደቀባት ንምእሳር ካብ ዓቕሊ ጽበት ዝወጽኡሉ ብልሂ ስልቲ መሲሉ ስለዝተራእዮ ኢዮም ወሊዖምዎ። ግን እቲ ብምብራዕ ኲናት ባድመ ዝበሰለ ቅጫ ዘይኮነስ፣ ብግልባጡ ኳዂቶ ደኣ ኮነ። እነሆ መንበረ-ስልጣን ሰብ ጋዕሲ፣ ብሰንኪ እቲ ጥውይዋይ ልቦም፣ ናብ ዋዜማ ዘመነ-ቅብጸቶም ንክበጽሑ ተቓሪቦም ኣለዉ።

እቲ ካብ እስትሕጋግ ክመጽእ ዝግብኦ ገንዘብ፣ ክልተ-ሰለስተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ኣብ ሓደ ምሸት ዝሕሽሽዎ ብሉ ለበል ኢዩ። ናብ ካዝና ኢሳይያስ ዝኣቱ’ምበር ካብ ሕሳባቱ ዝወጽእ ገንዘብ የለን። ስለዚ ብጠንቂ ኲናት ባድመ፣ ከምቲ ሰስግኡ ንዓና፣ ዓዓጽሙ ንከልቢ እንዳ ጎይታና ዝበሃል ጽውጽዋይ፤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ሰስግኡ ንዕኦም፣ ዓዓጽሙ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ኮነ።

ጉዳይ መሬት ንተጣየስቲን ግቡኦም ዝፈጸሙ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን፤ /ተጣያሳይ ተጋዳላይ ወይ ዋርሳይ ኣብ ዝመረጾ ኣከባቢ መሬት ክወሃብ ተባሂሉ ነበረ። ዝተገብረ ፍታሕ ግና የለን።/ እቲ ምእንቲ መሬት ዝተጋደለ ዜጋ ኣንኳይዶ መሬትሲ፣ ገዛ ክራይ’ውን ኣብ ዘይረኽበሉ ሰዓት ኢዩ ዝበጽሐ። እቲ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ን18 ኣዋርሕ ተባሂሉ ዝተኣወጀ ወፍሪ ሳዋ፡ ክሳብ ሎሚ ፍታሕ ኣይረኸበን።

እቲ ካብ 1961 ዓ.ም. ኣትሒዙ ምእንቲ መሬት ክብል ዕድመኡ ንናጽነት ዝወፈየ ተጋዳላይን ኣባላት ሓፋሽ ውድባትን፣ ድሕሪ ናጽነት ገንዘቡ ከፊሉ ዝነብረሉ መሳፍሒ ዘይኮነስ፤ መኾርመዪ’ውን ተነፍጎ። ካብ በዓል ጣፍ፣ በዓል ኣፍ ከም ዝተባህለ፣ ሰብ ማዕረግን ሰብ ሽጉጥን ከከም ሓይልኻ ኮይኑ፣ ኣሎ ዝበሃል ጸጽቡቕ ኣባይቲ፣ ንነበርቲ ህዝቢ ናብ ጎደና እናጎሓፉ ባዕላቶም ሰፈርዎ።

ሕቶ መንበሪ ገዛ ንስንኩላን፤ ኣይተተግበረን። “ሕንቃቐ በዚሑ… ጨለ ዘረባታት!‘’ ኢሎም እንዶ ግዳ ሰብ ጋዕሲ፣ ናይ መወዳእታ ደበስ ስድራ ቤት ናይ ሜዳ ስውኣት፤ ብዓቢ ክንክን ዘዕበይዎም ደቆም ዝሰኣኑ ወለዲ ብላግጺ ተጨፍጨፉ። ካብ ሓደ ገዛ ክልተ፣ ሰለስተን ኣርባዕተን ዝተሰውኡን ኣጸቢቖም ዝበተኹን ወለዲ፣ ቁሊሕ ዝብሎም መንግስቲ ተሳእነ። ደበስ ስድራ ቤት ስውኣት ዋርሳይ፤ ኣብቲ ብዕንደራ ሰብ ጋዕሲ ዝተወልዐ ኣስካሕካሒ ኲናት ባድመ፣ ናይ ዝወደቑ ደቂ ኤርትራ ደበስ’ውን ከምቲ ቀዳማይ መጻወቲ ኮነ። እቲ ጥውይዋይ ልቢ መመሊሱ እናተጠምዘዘ፣ መን ቃል ይዛረብ!

ናይ 30 ዓመታት ናይ ኲናት ካሕሳ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ከምኡ’ውን ካሕሳ ካብቶም ቀዳሞት ገዛእቲ ኤርትራ ዝነበሩ መንግስታት ምሕታት ግቡእ ኢዩ። እንተኾነ ግን ሰብ ጋዕሲ ብወግዒ ተሓቲቶም ንጉዳይ ካሕሳ ኣንይሓትትን ኢና ኢሎም ከም ዝነበሩ ዚዝከር ኢዩ። ብድሕሪኡ ንክሕተት ዝደረኸ መራሒ ኣይነበረን። እነሆ ከኣ ሎሚ ከም ርሱዕ ጉዳይ ተወሲዱ ናብ ናይ ታሪኽ ጉሓፍ ተደርብዩ ከም ዝተርፍ ተገብረ። ኣንታ ብሓበላ ዝተሸፈንካ ዜጋ፡ ሕጂ ማጨሎት ተሓጸብ።

ሕማቕ ዘመን በዓል ጋዕሳ’ለዋ! ዝበሃል እምበኣር ብልክዕ ናባና ዝወረደ ጥሚቕ ኢዩ። ኣንታ ህዝቢ! ካብዚ ናጤባ’ዚ ንምግልጋል ክልተ ግዜ ሕሰብ!! ስለዚ ኣብ ምስትውዓል ዘድልዮ ግዜ ኢና ዘለና። መስሓቕ ሸራፋት ከይንኸውንሲ፡ ብኣውራጃ፡ ሃይማኖት፡ ጀብሃን ሻዕብያን፡ ብባንዴራ፡ ብደርፊ ባእሲን ጽልኢን ይኣክል። መሬት ዓደቦኻ ደምህት ይጻወቱሉ፡ ኣዋልድ ሃገርካ ብደምህት ይዕመጻን ይነብዓን፡ ህዝብኻ ብሓለንጊ ጥሜት እናተገርፈ፡ ኣባላት ደምህት ዝስውዱሉ ዘለዉ፡ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ገበርትን ሓደግትን ንምዃን ዝሕጸዩሉ ዘለዉ ግዜ ምዃኑ ኣስተውዒልካ ኩሉ ደናጉላና ናብ ሰብ ጋዕሲ ይወርወር። ኣንታ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለኻ ሰብ፡ ኣንታ ኣብ ውሽጢ ሃገር ሰናድር ዝተቐነትካ ዜጋ፡ ክሻፋኻ ናብ ሰብ ጋዕሲ ኣነጻጽራ። ሰኣን ብትኽ፡ ከይንበትኽ፤ ሎሚ ብተኽ ወዲ መሬት።

‘ውጽኣ መባልዕቲ፡ እተዋ መናብዕቲ’ እቶም ብሓባር ንኤርትራ ስጋኣን ዓጽማን ዝምንጭትዋ ዘለዉ ሰብ ጋዕሲ ንክወጹ፡ ንሕና እቶም መናብዕትኻ ድማ ንክንኣቱ፡ እወ ሎሚ ብተኽ ኣርሓ!

ሰማእታትና ማዕረ’ቲ ንሞት ብትብዓት ዝተቐበልዎ፡ ንሕና ከኣ ሕልፈቶም ብኒሕ ንደብሶ!

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!