መዋእል መብራህቱ፡ መልህቅ ኤርትራውነት!

መዋእል መብራህቱ፡ መልህቅ ኤርትራውነት!
ሃብተማርያም ኣብራሃ
ሎንዶን-ዓዲ እንግሊዝ 12 ሓምለ 2014

ሰብ ኣብዛ ዓለም ነባሪ ኣይኮነን። ኩሉ በብጽሕፍቶኡ ይሓልፍ ኢዩ። እገለ ዓሪፉ ኣብ ዝበሃለሉ እዋን ግን፡ ገለ ታሪኽ ወይ ውዕሎ ንምዝካር፣ ዝን ምባል ልሙድ ኢዩ። ቅድሚ ሒደት ሳምንታት መርድእ እቲ ሃገራዊ መልህቅ ኤርትራውነት ዝነበረ ነፍስ-ሄር መዋእል መብራህቱ ተሰሚዑ። ቅድሚ ኩሉ ንዕኡ ኣምላኽ መንግስተ-ሰማያት፡ ንስድራ ቤቱን ፈተውቱን ከኣ ጽንዓት ይሃቦም። ተኻፋላይ ረዚን ሓዘን ምዃነይ ከኣ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ክሕብር እፈቱ።

ሓደ ካብቶም ኤርትራ ዘፍረየቶም ብሉጻት ሃገራውያን ዝነበረ መዋእል፡ ጠሊ ይሕደግ። ንሱ ኣብ ግዜኡ ዝገበሮ ሃገራዊ ተወፋይነት ብዙሕ’ኳ እንተነበረ፡ ገለ ንእሽቶ ታሪኽ ነዚ ወለዶ እዚ ክንገር ዘለዎ ጉዳይ እንተሎ ግን፡ ትብዓትን ጅግንነትን መለለዪ ኤርትራውያን ምንባሩ ንምዝኽኻር ኢዩ። ሎሚ’ውን መንእሰይ ወለዶ ነቲ ናይ ቀዳሞት ኣቦታት ዝናር ጅግንነት ንክዓጥቆ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ከዘኻኽር እደሊ።

መዋእል፡ ኣዝዩ ህጣራራን ፍሉጥን ዝነበረ ዜጋ ኢዩ። ኣብቲ ንፓርላማ ዝወዳደረሉ ዝነበረ ግዜ፡ ህዝቢ ኣስመራ ንውዳሴ ዘይኮነስ፡ ብልክዕ ንምግላጽ፣ “…መዋእል መብራህቱ ኦፔል መዛወሪቱ፣ ኦሜጋ ሰዓቱ” እናበለ ይደርፈሉ ነበረ። ኣብ ህዝቡ ብዝነበሮ ጽኑዕ እምነት ድማ፡ ኣባል ፓርላማ ኮይኑ ኣገልገለ። ከም መብጽዕኡ፡ ካብ ዝተምርጸሉ ክሳብ ካብ ስራሕ ዝተሰናበተሉ ግዚ ድማ ንህዝቡ ብዝከኣሎ ዘገልገለ ዜጋ ኢዩ ዝንበረ።

ኣብ መፋርቕ ስሳታት፡ ንጉዳይ ሰውራ ኤርትራ ዝምልከት፡ ሓደ ጸገም ኣጋጢሙ ነበረ። ዋንነታ ናይ ቡልጋርያ ዝኾነት መርከብ፡ ስዉእ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ናብ ሜዳ ኤርትራ ዝለኣኾ ኣጽዋር ናብ ኢድ ዋናታቱ ተጋደልቲ ኣይበጽሐን። ብኤርትራዊ ካፕተን ሸክ መሓመድ ፋርስ ኣቢሉ ናብ ከባቢ ባጽዕ /እምባ ገደም/ ናብ ገማግም ንክራገፍ ምስ ቀረበ፡ ብሓሰውቲ ተፈሊጡ ስለዝነበረ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ እታ መርከብ ምስ ንብረታን ሰራሕተኛታት ኤርትራውያንን ተታሕዙ።

እቶም ምስ ንብረቶም ዝተማረኹ ኤርትራውያን፡ ካፕተን እታ መርከብ ዝነበረ 1.) መሓመድ ሸክ ፋርስ 2.)መምህር ዓብደላ ሳይቕ 3.) ማሕሙድ ሳበ ኢዮም ነይሮም። እቶም ሃገራውያን ምስ ተኣስሩ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ መን ብዛዕብኦም ከም ዝግደስ ንምክትታል፡ ንይምሰል ጠበቓ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ኣፍለጠ። ስለ ሃገራውነቶም ዝተኣስሩ ኤርትራውያን ጠበቓ ዝኾነሎም ተፈተሸ። ኩሎም ጠበቓታትን ናይ ሕጊ ክኢላታትን ብምኽንያት መእሰሪኦም ስለዝፈርሑ ግን ዝጣበቐሎም ሰብ ኣይረኸቡን። መዋእል መብራህቱ ሽዑ ምሁርን ናይ ሕጊ በዓል ሞያን ስለዝነበረ፡ ንገንዘብ ኢሉ ዘይኮነስ፡ ንክብሪ ናይቶም ሰብ ዝሰኣኑ ንብረት ገድሊ ኤርትራ ናብ ዋናታቱ ንምርካብ እናሰርሑ እንከለዉ ዝተኣስሩ ሃገራውያን ኣሕዋቱ ብትብዓት ጠበቓ ኮነ። ብክእለቱ ነቶም ሃገራውያን ኣሕዋቱ ተጣቢቑሎም ኢዩ።

እንተኾነ ኣብቲ ፍትሒ ዘይነበሮ ስርዓት መግዛእቲ፡ ብሞያኡ ተጣቢቑ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ስለዘይነበረ፡ እቶም እሱራት ክፍትሑ ኣይተኻእለን። ብኣናጹ’ኳ ደኣ ኣብ ሰምበል ነፍስ-ወከፎም ን25 ዓመታት ተፈርዱ። ጅግና ሃገራዊ መልህቅ፡ መዋእል መብራህቱ “ንወንበዴታት ጠበቓ ኴንካ” ብዝብል ምስምስ ንክእሰር ተወሰነ። ሻምበል ማቴዎስ ተኽለን መቶ ኣለቃ ምናሴ መድሕንን ዝተባህሉ፡ ንመዋእል መብራህቱ ካብ ገዝኡ ኣሲሮም ናብ ኣጂፕ ወሰድዎ። በዓልቲ ቤቱ ንጅግና መዋእል ብህጹጽ ናብ ጀነራል ዘርኢማርያም ጠርዐት። ጀነራል ዘርኢማርያም’ውን ኣገዳሲ ስጉምቲ ብምውሳድ፡ ተቐላጢፉ ናብ ማእከላይ እዚ ፖሊስ፡ ናብ ኣጂፕ ብድሕሪ ምዃድ፣ “ሓደ ሰብ ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ክእሰር ግቡእ ኣይኮነን” ብምባል፡ ነቶም ዝኣሰርዎ ቀልጢፎም ክፈትሕዎን፣ ብመኪና መንግስቲ ጌሮም ናብ ገዝኡ ንክወስድዎን ኣዘዞም።

ጅግና መዋእል መብራህቱ፡ ወላ’ኳ ማእሰርቲ እንተኣጋጠሞ፡ ካብ ዕላምኡ ሰጋእ ኣይበለን። መሊሱ’ውን ነቲ ሒዝዎ ዝነበረ ጉዳይ ጥብቅና ንኣሕዋቱ ቀጸሎ። ኣብ ካልእ ሃገራዊ ጉዳይ እውን መርገጺኡ ብንጹር ይገልጽ ነይሩ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ 60ታት ስርዓት ሃይለ ስላሴ “ዓሳታት ንምጽናት፡ ባሕሪ ምንጻፍ” ብዝብል እምነቱ፡ ንሰውራ ኤርትራ ክድምስስ ወሰነ። ቅድሚ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከኣ ኣብ መታሕት፡ ማለት ኣብ ቆላታት ኤርትራ ዝነብር ኣማኒ ምስልምና ኤርትራዊ ክጥፍእ ስለዝነበሮ፡ ሓደ እከይ ናይ ምጽናት ውጥን ኣውጸአ። ንኩላቶም ኣባላት ፓርላማ ኤርትራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣጸዊዑ ድማ ሓደ እቲ ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑን ኩላቶም ኣባላት ፓርላማ ክሰማምዑሉ ከም ዘለዎምን ኣዘዞም። ኣብ መታሕት ንዝነብር ኣማኒ ምስልምና ንምጽናት ፈርሙ ተባህሉ። ብዙሓት ድማ ተሰማሚዖም ኢዮም።

ነፍስ-ሄር መዋእል ግን “ኣነ ልዕሊ 100 ሽሕ ህዝቢ ኣስመራ ዝወከለኒ፡ ንክሰርሓሉን ንከገልግሎን ደኣ’ምበር፡ ህዝቢ ንከጽንት ኣይኮነን” ብምባል ኣሕዋቱ ንምጽናት ምፍራም ኣበየ። ኣብ ኣኼባ ፓርላማ ኢትዮጵያ፡ ንመጀመርያ ግዜ ነቲ ኣኼባ ከኣ ረጊጽዎ ወጸ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ማእከል ኢትዮጵያን ኣብ ቅድሚ ንጉስን ከማኡ ዝኣመሰለ ትብዓት ምውናን መለክዒኡ ልዕሉ ሃገራውነትን ጅግንነትን ጥራይ ኢዩ ዝነበረ።

ሽዑ ሃይለ ስላሴ ብውልቂ ጸዊዑ፣ “…ወንበዴታት ኣብ በረኻ ጥራይ ዘለዉ ይመለኒ ነይሩ። ሕጂ ግን ኣብዚ ኣብ ማእከልና ከም ዘለዉ ኣረጋጊጸ ኣለኹ” በሎ። እንተኾነ መዋእል ካብቲ ዝኣምኖ ሃገራዊ ጉዳይ ምንቕ ኣይበለን። ኩላቶም ኣባላት ፓርላማ በብዝተወከሉሉ ከባቢ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ከዱ፡ ብዘይካ ወካሊ ስመጃና ዝነበረ ይኩኖኣምላክ በላይ ካልኦት ነቲ እከይ ውጥን ተሰማሚዖሙሉ ነበሩ። ይኩኖ ኣምላክ ከምቲ መርገጺ መዋእል መብራህቱ ብምሓዝ፡ ህዝቢ ንከጥፍእ ኣይሰማማዓሉን እየ ኢሉ ኢዩ። ደድሕሪ መዋእል ብምስዓብ ከኣ፡ ንኣኼባ ፓርላማ ረጊጽዎ ወጸ። እቶም ብረት ንሰውራ ኤርትራ ከቐብሉ እንከለዉ ዝተታሕዙን ናብ ሰምበል ዝተኣስሩን ሃገራውያን፡ ብድሕሪ ኣስታት 10 ዓመታት፡ ምስቶም ብ1975 ካብ ሰምበል ብፈዳይን ተጋደልቲ ተ.ሓ,ኤ. ምትሕብባር ሻምበል ወልደሃይማኖት ተኽሎምን ናጻ ወጹ።

እቶም ሃይለ ወልደትንሳኤን /ድሩዕ/ ወልደዳዊት ተመስገንን ዝርከብዎም 700 ናይ ፖለቲካ እሱራት፡ ብሳላ ተወፋይነት ኤርትራውያን ብሰላም ወጺኦም። መሓመድ ሸክ ፋርስን ብጾቱን ከም ኩላቶም ኣብ ዓዲ ንኣምን ምስ ኣተዉ ምርጫ ተዋህቦም። ናብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንክስለፉ ስለዝመረጹ፡ ናብኡ ተፋነዉ። መዋእል መብራህቱ፡ ብድሕሪ ብዙሕ ሃገራዊ ቃልሱ ንወጻኢ ናብ ሃገረ ኣሜሪካ ኢዩ ተሰዲዱ ዝነብር ዝነበረ። ብወርሒ ግንቦት 2000 ዓ.ም. ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንሃገራውያን ኣገዳሲ ሰሚናር ኣካይዱ ዝነበረ ተባዕ ሃገራዊ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ሽዑ ዝገበሮ ሰሚናር፡ ንባህርያት ስርዓት ህግደፍ ብዘይ ነግ- ፈረግ ኣብሪሁዎ ኢዩ። ኢሰያስ ገበተ፡ ሃገር ዝገበተ፡ ህዝቢ ዝገበተ፡ ንብረት ዝገበተ፤ ብዘይ ሕጊ ዝገዝእ ዘሎ ውጹእ ምልካዊ ምዃኑ ብዘይ ጥርጥር ገሊጹ ከም ዝነበረ ብዙሓት ዝምስክርዎ ጉዳይ ኢዩ።

ስለዚ ሰብ ነባሪ ኣይኮንን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ታሪኽ ጅግንነት ዝፈጸመ ሰብ ኣብ ዝሓልፈሉ ግዜ፣ ታሪኹ ምትሕልልፍ ሃገራዊ ግቡእ ኢዩ። ሎሚ መንእሰይ ወለዶና፡ ነዛ ኣብ ትሕቲ መቑሕ ህግደፍ፡ ኣብ ምንጋጋ ኢሰያስ ዘላ ኤርትራ ናጻ ንከውጽኣ ከምዚ ዝኣመሰለ ስረ ንክዓጥቅ ለበዋይ አመሓላልፍ ኣለኹ። ኤርትራ ብከም መዋእል መብራህቱ ዝኣመሰሉ ጀጋኑ ዜጋታት ትልለ ዝነበረት ሃገር ኢያ። ሎሚ እውን ‘ንእሾኽ እሾኽ ተውጽኣ፡ ኣራግጻኻ ግን ኣይትቐይር’ ከም ዝበሃል፣ ኣጆኻ ኤርትራዊ መንእሰይ ስረ ኣቦታትካን ኣያታትካን ንምዕጣቕ ተዳሎ።

ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝበልኩዎ ደጊመ፡ ንመዋእል መብራህቱ ኣምላኽ ኣብ መንግስተ ሰማያቱ ይቀበሎ።

About the Author
  1. ኣሕመድ ወዲ ከረን Reply

    ክቡር ኣቦና ኣት ሃብተናርያም ኣብርሃ ናይ ብሓቂ ታሪኽ ነፍሰ-ሔር ተጋዳልይ መዋእል መብራህቱ ሓጺር ታሪኽ ምግላጽኩም ዝምስገን ኢዩ ኣነ’ውን ብወገነይ ንመዋቲ መንግስተ-ሰማያት ንስድራ ቤቱን ፈተውቱን ህስዝቡን ከኣ ጽንዓት ይሃብኩም ብምባል ናይ ሓዘን ተኻፋልነትይ እገልጽ።
    ቀጺል ኣብ ሞንጉ ዘረባኹ እዛ ትስዕብ ቃል ሪኤ ((እንተኾነ ኣብቲ ፍትሒ ዘይነበሮ ስርዓት መግዛእቲ፡)) ኣብ ስርዓት መግዛእቲ ወ ካብ ስርዓት መግዛእቲ ፍትሒ ምንዳይ ኣይካኣልን ነይሩ ግን ኣብ መጠረሽታ ይውሓድ ይብዛሕ ተኸሳሲ ቅንዕና መኽሰሲኡ በዘየገድስ ፍርዱ ተፈሪዱ ኣብ ፍሉጥን ርኡይን ቤት ማእሰርቲ ይዳጎን ነይሩ ናይ ሎሚ ግን ኣብ ዘመነ-ህግደፍ መስደምም ዝኾነ ነገራት ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እሱራትን ማእሰርትን ዘስደምምን ክትኣምኖ ዘጸግምን ግን ከኣ ማንም ዘይስሕቶ ክውንነትን ንርእን ንሰምዕን ኣሎና፡ ኣቶም ሕጹባት መዓንጣ ከም ስዉእ መዋል ኣበይ ዳኣ’በሉ

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.