ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ…?
ራብዓይ ክፋል
ሰለስቲኡ ክፋል ናይዚ ዘልዓልኩዎ እዋናዊ ዛዕባና ላዕሊ ላዕሉ እምበር፡ ነቲ ምትኳስ ዘድልዮ ጡጥ ኢሉ ዝሓበጠ ቁስልና ኣይተናኸፍክዎን፡፡ እዚ ጽሑፍ ኣብ ማእከል መሬት ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ኮይነ እየ ዝጽሕፎ ዘለኹ፡፡ ገለ ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ኣብ ኢትዮጵያ ስለ ዘለኻ ኢኻ እምበር ወያነ ጽቡቕ ናይ ኤርትራ ከም ዘይደሊ ጠፊኡካ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ገለ ገለ ውድባት ንድሌት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘየእተወ ውዳበን ስነ-ሓሳብ ቃልሲ ዘለወን ኢየን፡፡ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዋላ እውን እቲ ደጋፊ ዝበሃል ኢሳይያስ ይቐትልን ይኣስርን ሃገር የዕንዋን ከም ዘሎ ጠፊእዎ ኣይኮነን፡፡ ኩልና ለውጢ ንደሊ ኣለና፡፡ ምስ ወያነን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኮይንካ ዝግበር ለውጢ ግን ኣይንቕበሎን ኣይንደልዮን ኢና፡፡ ዝብል ብኣፍልጦ ዘይኮነ ብስምዒትን ህልኽን ዝተወጠረ ሓሳቦም ወስ የብሉለይ ኢዮም፡፡ ስለምንታይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራን ንፍትሕን ድሞክራስን ዝቃለስ ዘሎ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራን ማዕረ ዘበነ ቃልሲ ንናጽነት ሎሚ እውን ንሓርነቱ እንተደገፎ ከም ነውርን ሓጥያትን ዝቑጸር….? ነቲ ቀንዲ ሕቶኦምን ስክፍቶኦምን ድሒረ ብሰፊሑ ክድህስሶ ክፍትን እየ፡፡
ብወገነይ ሓደ ከረጋግጾ ዝደሊ ንዘይኣመንኩሉን ቁኑዕ ኢዩ ንዘይበልክዎን ሓሳብ ዋላ እውን መድፍዕ ይተኮስ ንጣብ ብርዐይ ኣየፍስሰሉን ኢየ፡፡ ብርግጽ ኣብ ኢትዮጵያ እየ ዘለኹ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሕጊ ነጻ ፕረስ ድማ ኣጸቢቐ ይፈልጦ፡፡ መዓልታዊ ኣብተን ዝሕተማ ብዙሓት ነጻ ናይ ግሊ ጋዜጣታት እንታይ ይጸሓፍ ድማ የንብብን ይርእን፡፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወያነ ኢሂወደግ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ግጉይ ኣተሓሕዛ እንተ ተኸቲሉ ክጽሕፎን ክዛረበሉን ዝኾነ ዘሰክፍ የብለይን፡፡ ማዕረ ማዕርኡ እውን ግግይ ኣካይዳታት ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ኮሓሒለ ዘይምስሉ ከትሕዞን ከጸብቖምን ሰሪሓን ሓሲበን ኣይፈልጥን ኢየ፡፡ ንዘይተቐበልኩሞም ጉዳያት ግጉይ መገድን ኣተሓሕዛንዩ ንዝበልኩዎም ሓሳባት ብሽፍንፍን ዘይኮነ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ኮይነ ደረተይ ነፊሐ ብግሉጽ ኣይፋሉን ኢለ ከም ዝምጉት ከዘኻኽር እፈቱ፡፡ ኣሽንኳይ ምዝራብ ምጽሓፍ ንዘይ ኣመንካሉ ወይ እውን ዘይተሰማማዕካሉ ግጉይ ውሳነ ምስ ዘሕልፍ ኣኼባ ኮንፈረንሳት ጉባኤታት ረጊጽካ ምውጻእ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ኢና ርኢናዮን ፈሊጥናዮን፡፡ ሓደ ከዘኻኽሮ ዝድሊ ዓብይ ጉዳይ ኣሎ፡፡ ኣብ ፖለቲካ ነባሪ ረብሓን ሓባራዊ ጥቕምን እምበር ነባሪ ጽልኢ ዝበሃል የለን፡፡ ስለዝኾነ ጉዳይና ብዓይኒ ጽልእን ቅርሕንትን ኣይንርኣዮ፡፡ ናብ ዘልዓልኩዎ ዛዕባ ክምለስ፡፡
ስለምንታይ ብቓልስናን መስዋእትናን ድምጽናን ዘረጋገጽናዮ ክብሪ ሎሚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣቱ ተደልዩ፡፡ ስለምንታይ ኤርትራውነትና ብመንጽር ምውድዳር ምስ ህዝቢ ትግራይ ብፉሉይ እውን ብመንጽር ምውድዳር ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ክኸውን ዝፍተን ዘሎ? ኤርትራውነትና ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝሃበና መለለይ ታርጋና ኣይኮነን፡፡ ኤርትራውነትና እኮ ደምና ኢዩ፡፡ ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጠረ እኮ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ፡፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ መሪሕ ውድብ ናይቲ ናጽነትና ብቕልጽምናን ድምጽናን ንምርግጋጽ ዝገበርናዮ ቃልሲ እምበር ወሃብን ከላእን ኤርትራዊ መንነት ኣይኮነን፡፡ እታ ናይ ትምክሕት ጃህራን ኣነ ይፈልጥን ዝሕመረታ ሕማም ካንሰር ዝኾነት ትዕቢትና ካብዚኣ ኢያ ትነቅል፡፡ ሕማምና ሃገርን ውድብን ፈላሊና ክንሪ ዘይምኽኣልና ኢዩ፡፡ ሕማምና ኢሳይያስን ኤርትራውነትን ነጻጺልና ክንርእዮም ዘይምፍታና ኢዩ፡፡ ንሱ ስለዝኾነ ከኣ ብኢሳይያሲዝም ዝበሃል ቀታልን ኣዕናውን ተዋጋእን ስነ ሓሳብ ማሲና ሃለዋትና ምስሓግ ኣብ ጻዕረ ሞት ኮይኑ ኣሎ፡፡ ሕማምና ፈሊጥና መድሃኒት እንተዘይ ወሲድናሉ ድማ ትዕቢት ትወልዳ ንውድቀት ብዝብል ብሂል ተደሊስና መጻኢና ጽልግልግ ዝበለ ጥራይ ዘይኮነ ከቢድ ጸላም ዝጎልበቦ ጥፍኣት ምዃኑ ምስትብሃል የድሊ፡፡
ናይ ሳላሳ ዓመታት መስተንክራዊ ገድልናን መዘና ኣልቦ መስዋእትናን ክንከፍል ከለና፡ ንሕና ኤርትራውያን ኢና ብምባል ቃልሲ ከነልዕል እንከለና፡ ምስዚ ሕጂ ብስርዓት ህግደፍ ናይ ሓዋሩ ጸላኢ ኢዩ ዝበሃል ዘሎ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡን ብሓደ ኢና ተቓሊስና፡፡ ብሓደ ተሰዊእና፡፡ ብሓደ ኣብ ሓደ ጉድጓድ ተቐቢርና፡፡ ቃልስና ምስቲ መንነትና ሓግሒጉ ብኣፈሙዝ ጠበንጃ ኤርትራውነትና ዝመንዝዓና ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሰን ደርግን ኢዩ ዝነበረ፡፡ ቃልስናን መስዋእትናን ምስቶም ኤርትራ ምድረ-ባሕራ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን ዝበሉ ገዛእቲ ኢዩ ዝነበረ፡፡ ቃልሲ ኤርትራውያን ብሄራዊ ጭቆና ዘይኮነ ናይ ናጽነት ሕቶ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ብድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ክውሰን ኣለዎ ብምባል ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዝተቓለሰን ክሳብ ምእታው ኣዲስ ኣበባን ስዕረት ስርዓት ደርግን ድሕሪኡን መስዋእቲ ዝኸፈለ ድማ እዚ ሕጂ ጸላኢኻዩ ዝበሃል ዘሎ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኢዩ፡፡ እቲ ዝገርም ብጌጋ እውን ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ጉዳይ ናጽነት ኤርትራ ተማቲኡ ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡
ስለምንታይ ድኣ ወያነ ኣይእመንን ኢዩ ዝበሃል..? ነቲ ብመትከል ኣሚኑሉ ንምዕዋቱ መስዋእቲ ዝኾፈለሉ ናጽነት ኤርትራ ተጣዒስሉስ ክወረና ይደሊ ኣሎ ዝበሃል፡፡ እዚ ክትበልዓ ዝደለኻ ኣባጉምባሕሲ ዛግራ በላ ብሽርሕን ጉርሕን ዝተባዕጠ ውዲታት ኢሳይያስን ናይ ጥፍኣት ጉጅልኡን ኢዩ፡፡ እስከ ቁሩብ ንድሕሪት ንመለስ፡፡ ብምስምስ ባድመ ኢሳይይስ ናይ ጽሉላት ውግእ ክእውጅ እንከሎ ቅድሚ ጥፍኣትን ደም ምፍሳስን ናይ ዕርቂ ተበግሶ ዝወሰዱ ስምምዕ ርዋንዳን ኣመሪካን እንታይ ኣበሳ ነይርዎ፡፡ እታ ዘቕረብዋ ሓሳብ ነናብ ዝነበርኩሞ ተመለሱ፡፡ ጉዳይኩም ኣብ ጠረጵዛ ኮፍ ኢልኩም ብምርድዳእ ፍትሕዎ ዶ ኣይኮነን ዝብል ዝነበረ፡፡ ቅድሚ ደም ምፍሳስ ነቲ ናይ ሰላም ሓሳብ ሓንጎፋይ ኢሉ ዝተቐበለ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ወያነ ኢሂወደግ ኢዩ፡፡ ብኣንጻሩ ኢሳይያስ ዝመርሖ ዋንነት ውልቀ ሓደ ንእሽቶ ጉጅለ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ኮፍ ኢልካ ብሰለማዊ መንገዲ ምርድዳእን ምፍትሑን ተሓሲሙ ንፈታተን ሓይልና ይዕረቐና ኢዩ ዝበለ፡፡ ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ ስለምንታይ ኢሳይያስ ተንበርኪኹ ትፋኡ ክልሕስ ዝተገደደ፡፡ እቲ ዘሕዝን ዓሰርተታት ኣሽሓት ህይወት መናእሰያት ኤርትራ ምስ ጠፈአ፡ ማዕሪኡ ስንክልና ምስ ኣጋጠመ፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ካብ ቤት ንብረቱ ምስ ተመዛበለ ዕስራን ሓሙሽተን ኪ.ሜ (25 ኪ.ሜ) መሬት ኤርትራ ንኢትዮጵያ ኣረኪቡ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ ክፍርም ሕንኽ ኣይበለን፡፡ ካብዚ ዝዓቢ ውርደት ኣሎ ድዩ……?
እቲ ዝገርም ግን ኢቲ ንኤርትራ ክወርር ይደሊ ኣሎ ዝበሃል ዘሎ ወያነ ኢሂወደግ ነቲ ብውግእን ኢሳይያስ ባዕሉ ዘረከቦን መሬት ኤርትራ ገዲፉ ንድሕሪት ኢዩ ተመሊሱ፡፡ ስለምንታይ ነዚ ባዕሉ ኣፍ ኣውጺኡ ዝዛረብ ዘሎ ጥረ ሓቂ ዋላ ዕረ እናጠዓመና ዘይንቕበሎ፡፡ ንፍተዎ ንጽላኣዮ ኣብ ኣእሙሮና ኢሳይያሲዝም መርዛም ስነ-ሓሳብ ቦታ ሒዙ ኣሎ፡፡ እንታዩ ኢሰይያሲዝም ስነ-ሓሳብ ኣብ ቀጻሊ ክፋላት ጽሑፈይ ብሰፊሑ ክድህስሶን ክትንትኖን ክፍትን ኢየ፡፡
ከም መጠቓለሊ እዚ ራብዓይ ክፋል ጽሑፈይ ሓደ ሓቂ ኣስሚረሉ ክሓልፍ እየ፡፡ እዚ ሓቂ እዚ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ቅድሚ ዕስራን ሸሞንተን ዓመታት ብ1985 ብፈረንጂ ብካርዝማቲክ መራሒኡ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዝነበሩ ነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ዝተጻሕፈ ኢዩ፡፡ ብረት ህዝቢ ኤርትራ ቁልቁል ኣፉ ኣይድፋእን!! ኣብ ዝብል 151 ገጻት ዝሓዘ ዓሚቕ ትሕዝቶ ዘለዎ መልሲ ንኤርትራዊ ንፐሮፌሰር ተስፋጽዮን መድሃኔ ዝተጻሕፈ ኢዩ፡፡ ቃል ብቓሉ እቲ ጽሑፍ…
ምሕዝነት ገስገስቲ ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክረጋገጽ እንተ ድኣ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝመስሎ ነገር ክውስን ዘኽእሎ፡ ነጻ ዕድል ኣቐዲሙ ክወሃቦ ኣለዎ፡፡ መሰል ርእሰ ውሳኔኡ ብትኽክልን ምሉእነትን ከረጋግጽ ኣለዎ፡፡ (ብረት ህዝቢ ኤርትራ ቁልቁል ኣፉ ኣይድፋእን ገጽ 105 ቀዳማይ ሕጡበ)
ኣብዚ እዋን እዚ ህዝቢ ኤርትራ ዕድሉ ባዕሉ ንኽውስን መሰል እንተድኣ ረኺቡ፡ ምሉእ ሃገራዊ ናጽነት ከም ዝመርጽ ፍጹም ዘየጠራጥር ኢዩ፡፡ ነዚ ሐቂ እዚ ካልእሲ ይትረፍ ስርዓት ደርጊ እውን ዝጠራጠረሉ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ስደት፡ ኣብ ዓዲ፡ ኣብ ቃልሲ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዝተዓዘቦ ዝኾነ ጋሻ ክርእዮን ክዕዘቦን ዝኽእል ግሁድ ጉዳይ ኢዩ፡፡ ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ምርግጋጽ ካብ ደርባዊ ምዝመዛን ጭቆናን ንህዝቢ ኤርትራ ከናግፎ ከም ዘይክእል ግን ርዱእ ኢዩ፡፡ እዚ ማለት ግን ናጽነት ኤርትራ ዘምጽኣሉ መሰረታዊ ረብሓታት የለን ማለት ኣይኮነን፡፡ (ብረት ህዝቢ ኤርትራ ቁልቁል ኣፉ ኣይድፋእን ገጽ 105 ካልኣይ ሕጥበ)
ሃገራዊ ናጽነቱ ኣረጋጊጹ ጽምኡ እንተረውይሉ ብድሕሪኡ ዝመጽእ ጭቆናን ምዝመዛን እንትርፎ ናብ ኤርትራውያን ገዛእቲ ደርብታት ናብ ካልእ ከውድቖ ኣይክእልን፡፡ ገዛእቲ ደርብታት ኤርትራ እውን ካብ ገዛእቲ ደርብታት ኢትዮጵያ ብዘይ ተፈለየ መንገዲ ጨቆንቱን መዝመዝቱን ምዃኖም ብጭቡጥ ብተግባር ክርዳእ ኢዩ፡፡ ስለዚ ድማ ንደርባዊ ሓርነቱ ዝሕንኩሉ ስምዒት ዝሸፈኖ ኣረኣእያ ዘይብሉ ነጻ ኮይኑ፡ ክቃለስን ብዘይ ጥርጥር ደርባዊ ሓርነቱ ክጓናጸፍን ይኽእል፡፡ (ብረት ህዝቢ ኤርትራ ቁልቁል ኣፉ ኣይድፋእን ገጽ 106 ካልኣይ ሕጡበ)
እዚ ቅድሚ 28 ዓመታት ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ብመርሕነት ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ኢዩ፡፡ ብረት ህዝቢ ኤርትራ ቁልቁል ኣፉ ኣይድፋእን!! ብኣንጻሩ እኳ ድኣ ባርዕ ፈጢሩ ህዝቢ ክዓስሎን ናጽነቱ ክጓናጸፍን ኢዩ፡፡ ግን ድሕሪ ናጽነቱ ምርግጋጽ ህዝቢ ኤርትራ ንሓርነቱ እውን መስዋእቲ ክሕተት ኢዩ፡፡ ኣንቱም ብኢሰይያሲዝም መርዛም ስነ-ሓሳብ ዝተጠቓዕኩም ኣሕዋት ኤርትራውያን፡ እዚ ጽሑፍ ትንቢትዶ ክንብሎ ወይስ ነቲውዱዕ ኣካይዳ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ምርኩስ ገይሩ ዝተዋህበ ትንታነ….?
ይቕጽል……….
ሚካኤል እምባየ (ኣራንቺ)
Tele +251-921924501
ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ..?
ሳልሳይ ክፋል
ቅድሚ ናብቲ ዘልዓልኩዎ እዋናዊ ዛዕባና ምእታወይ፡ ገለ ካብቲ ዝመጻኒ ኣዝዩ ብዙሕ ርእይቶታት ኣነ ውን ናተይ ትዕዝብትን ንእሽቶ ኣፍልጦይን ወስ ከብል፡፡ ብዙሓት ምስቲ ዘልዓልኩዎ ሓሳብ ዝሰማማዕ ጉዳይና ኣብ ሸንኮለል ኣይነእትዎ፡ ሕቶ ኤርትራ ንኤርትራውያን ብቓልስና ተመሊሱ ዝተዓጽወ መዝገብ ኢዩ ዝብል ስለ ዝኾነ፡ ነቢቦም ንዝሃቡኒ ሃናጺ ርእቶኦም ከመስግኖም ይደሊ፡፡ ገለ ሒደት ግን፡ እንተስ ብፍላጥ ሓደው ሕጂ እውን ከምታ ዘለናያ ኣብ ሃለውሳ ንንበር ዝዓይነቱ ግብረ መልሲ እውን ኣንቢበ ኣለኹ፡፡ ናይ ገለ ከኣʼሞ ንቐባራይ ምርዳእ ብኣፍልጦ ዘይኮነ ብስሚዒት፡ ነቲ ናይዚ ኩሉ ገጢሙና ዘሎ ኣዝዩ ከቢድ ጥፍኣትን ብርሰትን ተሓታቲ ዝኾነ፡ ኢሳይያስን ሒደት ጉጅልኡን ተቓወምቲ ዝመስሉ ጠበቓታት እቲ ስርዓት፡ ኲናት መን ከም ዝጀመረ እንታይ መረጋገጺ ኣለካ..? ለውጢ ንደሊ ኢና ግዳ ንሓደ ኢሳይያስ ጸሊእካ ዘይኮነ ኣይትዛረብ ዝዓይነቱ ኢዩ፡፡ እታ እዋናዊት መዛረቢ ዛዕባና ኢሳይያስ ብሃሱሳቱ ኣብ ምክፍፋል ደምበ ተቓውሞ ዝደረሳ ትያትሮ ኤርትራ ንኤርትራውያን እውን ይውስኹ፡፡
ሓደ ከነጽሮ ዝደሊ ኢሳይያስ ነዚ ኩሉ ወሪዱና ዘሎ ኣደራዕ ክጥጅእን ክገብርን ከም ሰይጣን በዓቲ በይኑ ኣይተጓዕዘን፡፡ ሕጂ ውን ኣብ ምጥፋእናን ምጽናትናን ንበይኑ ኣይኮነን ዘሎ፡፡ ቃልስና ምስ ሓደ ኢሳይያስ ጥራይ ኮይኑ ኣይፈልጥን፡፡ ኢሳይያስን እቲ ባዕሉ ጸፍዩ ባዕሉ ዘንጫጨሖን ጉጅልኡን ዘስረጾ ግናይ ኣተሓሳስብኡን መዓሙቕ ክድበዩ ኣለዎም፡፡ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ እንተዘይ ኮይኑ፡ መለሳ ቆሎ ጥጥቖ ዝዓይነቱ ስርዓት ኣየድልየናን ኢዩ፡፡ በቃ ስልጣን ካብ ህዝቢ ንህዝቢ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ብዊንታ ሸፋቱ ዘይኮነ ብሕግን ስርዓትን ትመሓደር ሃገር ክትህልወና ኣለዋ፡፡ ንብዙሕነትና ማእከል ዝገበረ ሕጋውን ተሓታትን መንግስቲ ክህልወና ኣለዎ፡፡ ስለዚ ጽሑፈይ ምጽላእን ምፍታውን ንኢሳይያስ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ክረጋገጽ ኣለዎ ዝብል ዝተበገስኩሉ ቁኑዕ ፖለቲካዊ ስነሓሳብ መሰረት ዝገበረ ኢዩ፡፡ መሰረታዊ ለውጢ ክረጋገጽ ድማ፡ ኣብቶም ስልጣን ብሰለማዊ መንገዲ ናብ ህዝቢ ከረክቡ ዘይክእሉ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ጠበንጃ ደምበ ተቓቀወሞ ክቐንዕ ኣለዎ፡፡ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ስልጣን ብሰለማዊ መንገዲ ከረክቡ ከም ዘይክእሉ ብተደጋጋሚ ነጊሮምናን ርኢናዮምን ኢና፡፡
ስልጣን ናብ ህዝቢ ይረከብ ጥራይ ስለ ዝበሉ፡ እቶም ሞዴላት ጅግንነትን ሓርበኛነትን ዝኾኑ፡ ገዳይም መራሕቲ ገድሊ ኤርትራ ሕልፈቶም ማሕዩር ዒራ ዒሮ ኮይኑ ኢዩ፡፡ ናይ ትማሊ ተበግሶ 21 ጥሪ እውን ፍትሒ ይንገስ፡ ብቕዋም ዝመሓደር መንግስቲ ይተኸል፡ ብዘይ ክስን ፍርድን ተኣሲሮም ዘለዉ ንጽሃት ዜጋታትና ይፈትሑ ዝብል ህዝባዊ ሕቶ እምበር ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክንሸጣ ኢና ዝብል ኣይነበረን፡፡ እቶም ሃዋርያ ለውጢ ተባዓት ጀጋኑ ግን ሕጂ እውን ሕልፈቶም ሞትን ማሕዩር ካርሸልን ኢዩ ኮይኑ፡፡ ብቛንቋ ኢሳይያስን ኢሳይያስ ዘስረጾ ግናይ ኣተሓሳስባን ናይ ጅግና ጀጋኑ ክንሶም፡ ጉጅለ ተሳዓርቲ: ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክሸጥዋ ሓሲቦም፡ ልእኻት ናይ ወያነ፡ እስላማዊ ምንቅስቓስ ዝብል ጸለሎ ጠቐነ ተቐቢኦም፡፡ ኢሳይያስ ዝደረሶ ንህዝቢ ኤርትራ ንዘንተ እለት እዳፈረሓን እንዳተጠራጠረን ከም ዝነብር እትገብሮ ትያትሮ ኤርትራ ንኤርትራውያን፡: ኣብዓለም ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ናይ ሓዋሩ ጸላእቲ ኣለውኻ ዝብል መርዚ ስነ-ሓሳብ ኣብ ኣእምሮ ህዝቢ ከም ዝሰርጽ ተገይሩ፡፡ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ክሳብ ካብ ዓሚቕ ድቃስና ንበራበር ኣብዚ በዓትዚ ተሓቢኦም ኣብ ኮረሻ ምልኪ ተወጢሖም ዕድመ ስልጣኖም ከናውሑ እውን ኣኽኢልዎም ኢዩ፡፡ ሎሚ ካብቲ ከቢድ ድቃስና ምስ ተበራበርና ከኣ፡ ህዝቢ ኣብ ውሽጥ ስደትን ንቓልሲ ብማዕበል ክትንስእ ምስ ጀመረ፡ ካባ ተቓወምቲ ዝወደዩ ሃሱሳት ስርዓት ህግደፍ ንደምበ ተቓውሞ ዘራጊቶ ከእትውሉ ናዕታታት ኢሳይያስ ዜማ ቀይሮም ክደርፍዎ ንሰምዖም ኣለና፡፡
እንተ እቲ ንኲናት መን ጀሚርዎ ዝብል ግን፡ ንቐባራይ ምርዳእʼዩ ንዓይ፡፡ ካብቶም ኲናት ኢሳይያስ ከም ዝጀመሮ ናይ ዓይኒ ምስክር ድማ ሓደ ኢየ፡፡ ኣበጋግስኡን መፈጸምትኡን ብውሑዱ ዝፈልጥ ሰብ እየ፡፡ ብዓቢኡ እውን ኣብታ 300 ገጻት ዝሓዘት ቦኽሪ መጽሓፈይ “ሚስጢረ ምብራዕ ኲናት ባድመ” ብዝብል ብሰፊሑ ኣቕሪበዮ ኣለኹ፡፡ ዝገርመኒ ነገር ግን ኣሎ፡፡ ዋላ ነቲ ኢሳይያስ ኲናት ባዕለይ ጀሚረዮ ብምባል፡ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ካሕሳ ናይቲ ዝወረደ ዕንወት ክትከፍል፡ ተገቲሩ ንኮሚሽን ካሕሳ ክታሙ ዘንበረሉ ሰነድ ክንጣበቐሉ ክንፍትን ዘሕዝን ኢዩ፡፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ትንፈር እምበር ጤል ኢያ ኣተሓሳስባ ድማዩ ሓሸውየ ዘእትወልና ዘሎ፡፡ ሰብ ዝፈልጦ ድቓላ ሓኒቕክን ኣይትቕተላ ዝበሃል ምስላ ደቂ ግዜ ኣሎ፡፡ ሎሚ ኢሳይያስ ጀማሪ ናይቲ ኣስካሕካሒ ኲናት፡ ኢሳይያስ ተሓታቲ ናይቲ ኩሉ ጥፍኣት ምዃኑ፡ ህዝቢ ብኣፈሙዝ ብረት ድኣ ኣፉ ተሎጒሙ እምበር ኣዳዕዲዑ ፈሊጥዎ ኢዩ፡፡ ወደሓንኩም፡፡
ኤርትራ ንኤርትራውያን ኣብ ዘበነ ሕሱም ምልኪ ህግደፍ ኢሳይያስ እቲ ድርሰት መዓስ ኢዩ ደሪስዎ፡፡ እዚ ሕጂ ንኣእዛና ዘጽምመና ዘሎ ትያትሮ፡ ኣብቲ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ ሜዳ ኤርትራ ንምእላይ ዝተገብረ ኲናት ሕድሕድ 1981 ኢሳይያስ ኣልዒልዎʼዶ ነይሩ ይኸውን? ኣብ 1982 ኣብ ወፍሪ ዘመቻ ቀይሕ ኮኾብ (ሻድሻይ ወራር) ተጋደልቲ ሕወሓት ኣብ እምባታት ሳሕል ብሓደ ምስ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንደርጊ ክምክትዎን ክስውኡን ከለዉ ኣይንደልየኩምን ተኣለዩልና ተባሂሉʼዶ ነይሩ ይኸውን? ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ኲናት ሽረ ክሳብ ምእታው ኣዲስ ኣበባ ምስ ናይ ቃልሲ ብጾቶም ተጋደልቲ ህውሓት ብሓደ ክምርሹን ክስውኡን ኣይፋልናን ናይ ሓዋሩ ጸላእትና ኢኹም ተባሂሉʼዶ ነይሩ ይኸውን? ኣብ ተስዓታት ማለት ኣብቲ ጽቡቕ ዝምድና ስርዓት ህግደፍን ወያነ ኢሂወደግን ዝነበረሉ ግዜ ንፈውሲ ማሕላ ተላዒሉ ይፈልጥʼዶ ነይሩ ይኸውን…? ቀዳማይ ሚኒስተር ሃገረ ኢትዮጵያ ነበር ነፍስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ምስ የመን ኣብ ዝተገብረ ኲናት ብጉዳይ ሓንሽ “ኣፍንጫ እንተሃርመ ዓይኒ ይነብዕ” ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝእወጅ ውግእ ኢድና ኣጣሚርና ኣይንርእን እንክብል፡ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብል ጭርሕʼዶ ሰሚዕና ንኸውን…? ኢሳይያስ ኣብ መንበረ ምልኪ ተኾይጡ ክነብር ምእንቲ፡ ታንክታትን መዳፍዓትን ኣምሪሑ፡ ናይ ዕብዳን ውግእ ክጅምር እንከሎ፡ ብስልበጣ ወያነ ወሪሩና፡ ሞኮንናትና ቀቲሉ ክበሃል እንከሎ ኤርትራ ንኤርትራውያን ትያትሮ ተደሪሱ ዶ ነይሩ ይኸውን…? ሃዋርያ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኮኑ ሓርበኛታት ገዳይም መራሕቲ ገድሊ ኤርትራ ስልጣን ናብ ህዝቢ ይረከብ ኣብ ዝበልሉ ድራማ ኤርትራ ንኤርትራውያን ንሰምዕ ነይርናʼዶ ንኸውን…? እዝን ቁጽጽርን ስርዓት ህግደፍ ተበታቲኑ ብሰንኪ ዓቕሊ ጽበት ዓቃብ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት 25 ኪ.ሜ ኣብ ውሽጢ መሬት ኤርትራ ንኽኣቱ ኢሳይያስ ተንበርኪኹ እሺ ክብል እንከሎ ትያትሮ ኤርትራ ንኤርትራውያን ኣእዛና ሰሚዕዎʼዶ ነይሩ ይኸውን……..ወዘተ…..ወዘተ……እቲ ዝርዝር ብዙሕ ኢዩ፡፡
ትያትሮ ኤርትራ ንኤርትራውያን መዓስ ኢዩ ተደሪሱ….? ኣሕዋት ኣይንዓሹ ምምርማር ዝመስልዎ የለን ንመራመር፡፡ እዚ ድርሰት እዚ ናይ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዓመታት እዋናዊ ትያትሮ ኢዩ፡፡ ስለምንታይ እዚ ትያትሮዚ ኣብዚ ናይ መጠረሽታ ዋግዋጎ ግዜ ተላዒሉ..? ኣኸር ጣልጋ ዝበሃል ኣሎ፡፡ ናይ መጠረሽታ ጥይት መፈላለይ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ክኸውን ዝተደርሰ ትያትሮ ኢዩ፡፡ ንሓደ ዋና ሓላይ ህዝቡ ሃገራዊ ነቲ ሓደ ጓና ሸያጢ ዓዱ ልኡኽ ናይ ኢትዮጵያ ዝገብር ትያትሮ፡፡ እዚ ትያትሮ እዚ ሎሚ ድኣ መልክዑን ሕብሩን ቀይሩ እምበር ስርዓት ሃጸይ ሃይለ ስላሴን ስርዓት ደርግን ህዝቢ ንምድንጋር፡ ድምጺ መሰለይ ኢሉ ዝተላዕለ ህዝቢ ኤርትራ ብኣፈሙዝ ጠበንጃ ንምዕፋን ዝተጠቕምሉ በልዩ ዝተጓሕፈ ድርሰት ኢዩ፡፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ መሰል ሕቶ ናይ ናጽነት ሕቶ ክንሱ ጀብሃን ሻዕብያን ብሽያጥ በንዚን ተዓሲቦም ንኤርትራ ናብ ዓረብ ክሸጥዋ ዝደልዩ ተገንጸልቲ ኢዮም እኮ ተባሂሉን ኣእዛን ግሩሃት ኢትዮጵያውያን ኣጽሚሙን ኣደናጊሩን ኢዩ፡፡ ኤርትራ ብመስዋእትናን ድምጽናን ነጻ ሉኡላዊት ሃገር ድኣ ኮይና እምበር ናብ ዓረብ ክትሽየጥን ክትልወጥን ኣይተራኣየን፡፡ ሕጂ እውን እቲ ግጥሚ ንሱ ዜማ ተቐይርዎ ክድረፍ ንሰምዖ ኣለና፡፡ የግዳስ መንዩ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክሸጣ…..?
ኣብ መጠረሽታ ስለምንታይ ብቓልስናን መስዋእትናን ድምጽናን ዘረጋገጽናዮ ክብሪ ሎሚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣቱ ተደልዩ፡፡ ስለምንታይ ኤርትራውነትና ብመንጽር ምውድዳር ምስ ህዝቢ ትግራይ ብፉሉይ እውን ብመንጽር ምውድዳር ህዝባዊ ግንባርን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ክኸውን ዝፍተን ዘሎ….?
ራብዓይ ክፋል ይቕጽል………………….
ሚካኤል እምባየ (ኣራንቺ)
Tele +251-921924501
ዜና ዓርቢ ሓርነት – ናቕፋ ተዛሪቡ
ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ህዝቢ ኣንጽር ምልኪ ሓቢሩ ንኽልዓል ዝጽውዕ ጭርሖ ዝተጻሕፎ ሓሙሽተ ሽሕ ናቕፋ ኣብ ኣስመራ ዘርጊሖም። ዝበዝሐ ክፋል ናይዚ ገንዘብ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ኤክስፖ ኣስመራ ዝተዛዘመ ፈስቲቫል ኤርትራ ዝተዘርግሐ ክኸውን ከሎ፡ ገለ‘ውን በተን ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣስመራ ዝርከባ ዝተፈላለያ ናይ ንግዲ ትካላት ኣቢሉ ኣብ ዕዳጋ ይዘውር ከም ዘሎ ነቲ ስራሕ ዝፈጸሙ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
እቲ ዝተዘርገሐ ገንዘብ “ስደት መፍትሒ ድዩ፧ ተላዓል!” ዝብል ሓረግ ዝተጻሕፎ እዩ። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ሓረግ እቲ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ጸንኪርዎ እግሩ ናብ ዝመርሖ ካብ ሃገሩ ዝስደድ ዘሎ መንእሰይ ኮይኑ፡ ዘይሕጋዊ ስደት ናብ ሞትን ህልቂትን ዘምርሕ ድኣ እምበር ፍታሕ ዘምጽእ ከምዘይኮነ ብምዝኽኻር፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ነዚ ስርዓት መኪቱ ሓርነቱ ኣብ ምውሓስ መሪሕ ተራ ንኽጻወት ዝተባብዕ እዩ። በዚ ዝተኻየደ ናይ “ናቕፋ ተዛሪቡ” ዝብል ካምፐይን ዝተረበሸ ጉጅለ ህግደፍ ብፍርሕን ራዕድን ተዋሓጡ ከምዘሎ ከኣ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ። ነዚ ኣብነታዊ ፍጻሜ ዘካየዱ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ከም ወትሩ ሞራሎም ሓፍ ብምባል ንኻልእ ስራሕ ይዳለዉ ከም ዘለዉ ከኣ እቲ ካብ ኣስመራ ዝመጸና ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ። በዚ ኣጋጣሚ ዓርቢ ሓርነት ንኹሎም ንለውጢ ዝንቀሳቐሱ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ተባዓት ኤርትራውያን ነዚ ሓሳብ ብምድጋፍ ብብወገኖም “ስደት መፍትሒ ድዩ፧ ተላዓል !” ዝብል ጽሑፍ ኣብ ናቕፋ እንዳጸሓፉ ከዙሩ ትጽውዕ።
ካልእ ምስዚ ኣብዚ ዝተኣሳሰረ ዜና፡ ዓርቢ ሓርነት ዝሓለፈ ሰሙን ወለዲ ነቶም ካብ ሳዋ ተመሊሶም ኣብ ገዝኦም ዝርከቡ ኣባላት 27 ዙርያ ዝኾኑ ደቆም ናብ ሳዋ ንኸይመልስዎም ዝጽውዕ “ድቅኻ ኣበይ ኣለው” ዝተስምየ ናይ ቴለፎን መልእክቲ ናብ ኤርትራ ኣማሓላሊፋ ከም ዝነበርት ዝዝከር እዩ። ቀንዲ ዛዕባ ናይቲ መልእኽቲ ከኣ ወለዲ ነቶም ድሮ “ደቅና ናብ ሳዋ ደጊምና ኣይንሰድድን” ብምባል እምቢትኦም ዘስምዑ ዘለዎ ወለዲ ብምድጋፍ ዝተረፉ ወለዲዊን ኣብ ጎድኖም ደው ክብሉን ንውልዶም ንኸይሰዱን ዝጽውዕ እዩ ነይሩ።
ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት ንኹሎም ብገንዘብን ብምኽርን ዝድግፍዋ ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራን እንዳ ሞጎሰት፡ ደግፎኩምን ምኽርኹምን ከይፍለያ በዚ ኣጋጣሚ ደጊማ ተዘኻኽር።
26 ነሓሰ 2014
ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት
Eritrean currency fights back dictatorship
(Asmara 27/08/2014) Freedom Friday (Arbi Harnet) activists have successfully launched an innovative project to encourage young Eritreans to resist the regime that is pushing them into exile. The initiative which was successfully launched at the annual festival held in Asmara (expo) aims to spread the message by writing anti dictatorship and motivational slogans on currency notes (the Eritrean nakafa). The initiative named Nakfa Talks (“Nakfa Tezaribu”), has so far released 5,000 Nakfa worth of bank notes.
The regime is said to have taken note of the initiative and has started following some trails of inquiry but so far with little success. In their latest communication members of the Project Team inside Eritrea stated that they are all in good spirit and getting ready for their next project which they hope to launch shortly.
It is to be remembered that, last week, Freedom Friday made thousands of calls encouraging parents to not send their children back to the indefinite national service training center following the summer break for those who completed (graduate of the 27th round) their six months mandatory training.
Organizers of Freedom Friday wish to encourage all Eritreans to support this latest initiative by asking their friends and family to participate in resistance inside Eritrea by writing messages of defiance and solidarity on bank notes and putting them into circulation. Thanking all those who have been supporting the initiative project coordinators are also calling on all Eritreans to support upcoming projects by making a small contribution to Freedom Friday.
End
Notes
Freedom Friday is a movement aimed at encouraging resistance to dictatorship inside Eritrea by developing innovative projects that encourage collective actions of defiance and linking these with the resistance in the diaspora.
For further information please contact the project on [email protected]
መጋርያ ባድመ:
2ይ ክፋል
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ 19-08-2014
ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ብጉዳይ ባድመ ዝተላዕለ ግጭት’ኳ እንተዘይነበረ፣ ክልቲኡ ውድባት ህዝባዊ ግንባርን ህዝባዊ ወያኔን “ባድመ ትብጽሓና ኢያ” ናይ ምባል ወጠጥ ከም ዝነበረ ዝከሓድ ኣይኮነን። ብዛዕባ እጄታ ባድመ፡ ብዛዕባ “መረብ ምላሽ፡” “ሓሸዋ ምላሽ” ዝብል ዕግርግር ወላ’ኳ ጸጸኒሑ ዝስማዕ ትርኽ እንተነበረ፡ ባድመ ኣብ ኢድ ሰውራ ኤርትራ ብድሕሪ ምእታዋ፡ ቅድም ብተ.ሓ.ኤ. ደሓር ከኣ ብህዝባዊ ግንባር ትመሓደር ከም ዝነበረት ኩሉ ህዝቢን ሎሚ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ስደትን ዝነብር ዘሎ ገዲም ተጋዳላይ ክልቲኡ ውድባት ኤርትራ ዝፈልጦ ዝነበረ ሓቂ ኢዩ። ብእዋኑ መሰረታዊ ፍታሕ ስለዝይተገብረሉ፡ እቲ ምስሕሓብ ድሕሪ ናጽነት’ውን መሊሱ ገዲዱ’ምበር ኣይሃድአን።
መንገዲ ገዲፉ ናብ ጓል መንገዲ ዝህውትት ኢሳይያስ፣ ንጉዳይ ባድመ ብዝምልከት መሰረታዊ ፍታሕ ንምግባር ቅሩብነቱ ኣርእዩ ኣይፈልጥን ኢዩ። ከምኡ’ውን መሪሕነት ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንጉዳይ ባድመ ብዕቱብነት ርእዮሞ ኣይፈልጡን ኢዮም። ወላ’ኳ ኣብ ግዜ ቃልሲ፡ (ዓቢ ጸላኢ ክሳብ ዝሰዓር ብዛዕባ ባድመ ኣይንዛረብ ዝብል ሜላ እንተነበረ) መሰረታዊ ፍታሕ ግን ክግበር ነይሩዎ። ካብ 1991 ክሳብ ግዜ ረፈረንደም ስለምንታይ ቆላሕታ ከም ዘይተገብረሉ ድማ ዘስደምም ጉዳይ ነበረ።
ኣብ ከባቢ ባድመ ኲናት ንክባራዕ ድሌት ኢሳይያስ ከም ዝነበረ፣ ምብራዕ ጥራይ ዘይኮነ ከኣ ሕንፍሽፍሽ ንክፍጠር ድሒሮም ብዝተራእዩ ፍጻሜታት ክረጋገጽ ይኽእል ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ መጋርያ ባድመ ብዝተበገሰ ሃልሃልታ ሆየ ንክልብለብ፣ ኤርትራዊ ሃገራውነትን ኤርትራዊ መንነትን በብቑሩብ እናተዳኸመ ኣላሽ ናብ ምባል ንክበጽሕ፤ ዘዝጨነቖ ወደባት ኤርትራ ድማ ሃገሩን ዝፈትዎም ስድራ ቤቱን ጠንጢኑ ናብ ስደት ንክምርቀፍ ኢሳይያስን ፍሉያት ኣጫፈርቱን ኣቐዲሞም ብሕቡእ ኣኼባታት ወዲኦሞ ነይሮም ኢዮም።
ብናታቶም ኣረኣእያ እቲ ን”ንግስነት” ኢሳይያስን “ወራስ ዓራት ወዱ ኣብርሃም”ን እሺ ይርሓሰና ኢሉ ዝቕበል፤ እዚ ናይ ሎሚ ወለዶ ዘይምዃኑ ኣጸቢቖም ገምጊሞምዎ ዝነበረ ጉዳይ ኢዩ። ናብቲ ዝደልዩዎ ጥርዚ ሃረም ንምብጻሕ ከኣ ብዙሓት ፖሊሲታት ክሕንጸጹ ነበሮም።
ኲናት ባድመ እሉኽ ጥጅእ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ስለዝነበረ፣ ኣብ 1994 ኣብ ከባቢ ባድመ (ዴዳ፣ ሸሸቢት፣ ዓዲ ሃኪን፣ ጽላለ፣ ሃዳሙ፣ ማይ ቆቓሕ፣ ሽላሎ፣ ሓበላ፣ ግርመ፣ ሻምብቆን ተኾምብያን) ንዝነበረ ሓዊ-ሓዊ ዝጨኑ ዕጡቕ ሚሊሽያን ዞባዊ ሰራዊትን፣ ብረት ናይ ውምራድ ትእዛዝ ካብ ቤት ጽሕፈት ኢሳይያስ ተመሓላለፈ። እዚ ከኣ፡ ብድሕሪ ምብራዕ እቲ ኲናት፡ ሰራዊት ኤርትራ ንክሰዓር ቀዳማይ ስጉምቲ ነበረ። እቲ ኮነ ተባሂሉ ሰራዊት ኤርትራ ንምስዓርን መንእሰያት ንምህላቕን ዝተወስደ ተኸታታሊ ስዉር ስጉምትታት ድማ ኣብ ዝቕጽል መደባትና ከነቕርቦ ኢና።
ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣባል ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር ዝነበረ፡ ደሓር ኣማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዝኾነ ተጋዳላይ ኪዳነ ወልደስላሴ /ኪዳነ ቆራይ/ ኣማሓዳሪ ሓውሲ ከተማ ሻምብቆን ከባቢኣን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ ብዛዕባ ምውራድ ብረት ንኩሉ ሚሊሽያ፡ ዞባዊ ሰራዊትን ህዝቢን ኣብ ሓውሲ ከተማ ሻምብቆ ኣኪቡ “ነፍስ-ወከፍ ዓጢቕኩሞ ዘለኹም ብረት ብህጹጽ ኣውርድዎ” ዝብል ቀጢን ትእዛዝ ኣመሓላለፈሎም። ህዝቢ ካብቲ ዝነበረ ናይ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ምስሕሓብ ተበጊሱ ከምዚ ክብል ሕቶታቱ ኣቕረበ፦
“ስለምንታይ ኢኹም ንዓና ንኤርትራውያን ጥራይ ብረት ኣውርዱ ትብሉና ዘለኹም። ወያነ መመሊሳ ብረት ተዕጥቕ ኣላ፣ ንስኹም ድማ ብረት ኣውርዱ! ትብሉና? ብረት ምውራድ እንተኾይኑ ክልቴና፣ ምዕጣቕ እንተኾነ ድማ ኩላትና ደኣ ክንዓጥቕ ይግባእ እምበር ንበይንኹም ጥራይ ኣውርዱ ማለትሲ ኣይግድን! ብዛዕባ ጉዳይ ባድመ ከኣ መንግስቲ ምስ መንግስቲ ተራኺቦም ፍታሕ ይግበሩሉ። ስለምንታይ ምትፍናን? ስለምንታይ ናብ ዘየድሊ መኣዝን ንጥምዘዝ ኣሎና?” ዝብሉ ሕቶታትን ርእይቶታትን ኣቕረቡሉ።
ግን ኢሳይያስ ዝቐበሮ ነታጒ ኣብ ሰዓቱ ክትኮስ ስለዝነበሮ፣ ትእዛዝ ስለዝኾነ፣ ኩሉ ብረት ወሪዱ ብኤነ-ትረታት መካይን ተተጻዒኑ ናብ ኣስመራ ክፍሊ ዕቃበ ብረት /ኤምዳድ/ ተኣከበ። እቲ ብረት ምውራድ ሓደ ካብቶም ስዉራት ስራሓት ኢሳይያስ ነበረ። እንተኾነ እቲ ምስሕሓብ መመሊሱ ገደደ’ምበር መህድኢ ኣይረኸበን። ኣነ ኣብ 1996 ካብ ስራሕ መንግስቲ ህግደፍ ብድሌተይ ብድሕሪ ምጥያሰይ ናብ ስራሕ ምእራይ ዕንድዳ /Gum Arabic/ ናብቲ ከባቢ /በርቂ ላጽያ፡ ውድቢ፡ ሸሸቢት፡/ ወፊረ ስለዝነበርኩ፡ እቲ ዝነበረ ምስሕሓባት ብኣካል ተኻፊለዮ ነበርኩ። ብሰንኪ’ቲ ምስሕሓብ ድማ ብዙሕ ክዕመም ዝነበሮ መደባት ይዘናበል ነበረ። ብፍላይ፡ ኣብ 1995-96 ሙስጣፋ ኑር ሑሴን ሓድሽ ኣማሓዳሪ ኣውራጃ ጋሽን ባርካ ኮይኑ ተመዚዙ ኣብ ዝመጽኣሉ ዓመት፣ እቲ ግርጭት ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ደየበ። ነቲ ብሰንኪ ምስሕሓብ ኣብ ስራሓት ምእራይ ዕንድዳ ዘጓነፈኒ ጸገም፡ ናብ ኣማሓዳሪ ዞባ ደብዳቤ ጽሒፈ ነይረ እየ።
ሓለፍቲ ምምሕዳራት፣ እንተላይ እቲ ሽዑ ኣዛዚ ፖሊስ ናይቲ ኣውራጃ ኮይኑ ተመዚዙ ዝነበረ ኮሎኔል ዘሚኪኤል ተኽልያ /ወዲ ተኽልያ/ ንዝርርብ ሰላም ምስ ኣሕዋት ትግራዎት ክሳብ ከተማታት ዓድዋን ሽረ እንዳ-ስላሴን ተመላሊሶም ነበሩ።
ውዲት ኢሳይያስ ብድሕሪ መጋረጃ ሕቡእ ስለዝነበረ ግን ጉዳይ ባድመ መመሊሱ ድኣ ተሸንከረ’ምበር መሰረታዊ ፍታሕሲ ኣይተገብረሉን። ምኽንያቱ ነቲ ዝፈልሕ ዝነበረ ማይ ውዑይ መመሊሱ ሸረኽረኽ ከም ዝብል ይግበር ስለዝነበረ። ብወገን መንግስቲ ህግደፍ ብመሰረቱ መፍትሒን መህድኢን ክግበረሉ ይድለ ኣይነበረን። እንተዝድለስ ኣብ ግዜ ረፈረንደም ምተዘርበሉን ነባሪ ፍታሕ ምተገብረሉን። ስለዚ እቲ ሰዓቱ ምስ ኣኸለ ክፍጀር ዝነበሮ፣ ኢሳይያስ ክጥቀመሉ ክብል ካብ ነዊሕ ዓመታት ዘጻወዶ ናይ ባድመ ፈንጂ (ታይም ቦምብ) ኣብ ሰዓቱ ኢዩ ተተኲሱ’ምበር ሃንደበት ኣይነበረን።
ቅድሚ ምጅማር ውግእ ባድመ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ህዝቢ ኤርትራ ንምዝንጋዕ ክብል ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ነፍስ-ሄር መለስ ዜናዊ ብዛዕባ ዓዲ ምሩግን ጉዳይ ሚሊሽያን ናይ ሃጠው-ቀጠው ደብዳበታት ይጸሓሓፍ ነበረ።
ቅዳሕ ናይቲ ንምብራቕ ኣምሲልካ ንምዕራብ፤ እንጣጢዕ ንዘርእ ኣለና ዝዓይነቱ ቀዳማይ ወቀጥ ደብዳቤ፡ ከምዚ ይብል፦
“ብጻይ መለስ
ከመይ ቀኒኻ፣
ሎሚ ክጽሕፈልካ ዝደረኸኒ፣ ኣብ ከባቢ ባዳ ዘሎ ኣተሓሳሳቢ ኩነታት’ዩ።
ኣብ መንጎና ዘሎ ዶባት፣ ብልማድ ዝተፈልጠ’ምበር፣ ብልክዕ ሕንጻጹ ዝተነጸረን፣ ኣረጋጊጽና ዝፈለጥናዮ’ዩ ኪበሃል ኣይከኣልን። ምስ ካልኦት ናይ ሎሚን መጻእቲን ዝምድናታትና ከኣ፣ ብዙሕ ኣቓልቦ ጌርናሉ ዝጸናሕና ጉዳይ ኣይኮነን። ንሓዋሩ’ውን ኣገዳስነቱ ወይ ኣከራኻርነቱ ዘሻቕል’ዩ ኣይብልን። እዚ ኣብ ቦትኡ እናሃለወ ግን፣ ሓሓሊፎም ኣብ ነንበይኑ እዋናት፣ ብዝተፈላለዩ ቀለልቲ ምኽንያታት፣ ምስሕሓባት ኪርኣዩ ጸኒሖም ኢዮም። ብዓቕሞም ከኣ፣ ኣብ ከከባቢኦም ብዝርከቡ ሓለፍቲ ብሕውነታዊ መንገዲ ንምርግጋኦምን ንምፍታሖምን ኪፍተን ጸኒሑ’ዩ። ኣብዚ መወዳእታ እዋን፣ ኣብ ‘ዓዲ ምሩግ’ ብሰራዊትኩም ብሓይሊ ዝተወስደ ስጉምቲ ግን፣ ናይ ብሓቂ ዘጉሂ ኢዩ።
እዚ ጉዳይ፣ ክሳብ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ስጉምቲ ምውሳድ ዘብጽሕ ምኽንያት ኣይነበሮን። ክሳብ ክንድዚ ኣቓልቦ ዝሓትት ኣገዳሲ ጉዳይ እንተነይሩ’ውን፣ ብሕውነታዊ መገዲ ምርድዳእ ንምፍትሑ ኣምበይምሸገረን። ብሱሩ ሕንጻጻት ዶባት ምስኣል ዘድሊ እንተኾይኑ’ውን፣ ብዝሓሸ ኣገባብ ሃዲእካ ኪፍታሕ ዝከኣል’ዩ።
እቲ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ፣ ምኽኑይ ናብ ዘይኮነ ምስሕሓብ ከየምርሕ ምግታኡ ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝረኣየኒ ከኣ፣ ባዕልኻ ዓቃል ስጉምቲ ክትወስደሉ እላቦ።
ምስ ሰላምታ
ብጻይካ
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ
16-08-97’’
ትሕዝቶ ናይታ ቀዳመይቲ ደብዳበ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኢዩ። ነቲ ብመግዛእቲ ኢጣልያ ዝተሓንጸጸ፣ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን እቲ ዝነጸረ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን “ብልማድ ዝፈለጥናዮ’ምበር ብልክዕ ሕንጻጹ ዝተነጸረን ኣረጋጊጽና ዝፈለጥናዮ’ዩ ኪበሃል ዚከኣል ኣይኮነን።’’ ኢሉ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቀዳመይቲ ደብዳቢኡ።
ብድሕሪ ኲናት ዝቐርብ ዝነበረ መጎተ ግን ‘’ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንጹር ናይ ኢጣልያ ሕንጹጽ ዶባት ኢዩ ዘሎ’’ ይብል ነበረ። ብድሕሪኡ’ውን ዝተጸሓሓፉዎ ደብዳበታት ነይሩ ኢዩ። ግን እቲ ዝሳወር ዝነበረ ሓዊ ብባድመ፤ እቲ ናይ ምድህላል ምጽሕሓፍ ድማ ብዓዲ ምሩግን ባዳን። እቲ ስብቆ ኲናት ቀስ-ብቐስ ሸረኽ-ረኽ ክብል ምስ ጀመረ ከኣ፤ እቲ ምእንቲ ኣገደስቲ ሰባት ንምእሳርን ህዝቢ ኤርትራ ንምብትታንን ዝተተለመ ዘርኢ ክርዳድ፤ ንነዊሕ ዓመታት ተቐቢሩ ዝነበረ ነታጒ ባድመ ተተኮሰ።
ብዕላማ ኢሳይያስ፣ ባድመ ከም ቅብርቲ ፈንጂ ዝገበረሉ ምኽንያት፣ ናብ ሕቡእ ተልእኾኡ ንምብጻሕ፣ ካብ ግዜ ገድሊ /1970-1991/ ዝሞሎቑዎ ተረፍ-መረፍ ጀጋኑ ኤርትራውያን ደቀባት ንምቕራም፡ ክኸውን እንከሎ፤ ኣብ ወርሒ ግንቦት 1998 ምብራዕ ኲናት ብዘስዓቦ ሕንፍሽፍሽ ድማ ነቶም ብዲሞክራሲ ንተኣዘዝ፣ ቅዋም ይዘርጋሕ፡ ሕድሪ ስዉኣትና ንተግብር… ወ.ዘ.ተ… እናበሉ ድቃስ ከሊኦሞ ዝነበሩ መሪሕነት ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንምሕቃቕ፤ ከምኡ’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ንምብታን፡ ንሱ ከኣ ኣብ መንጎ ኮይኑ ተሓምበለ ንምባልን፤ ዝተኣልመ ጥጅእ’ምበር ጉዳይ ባድመ ዓዚዙ ማለት ኣይነበረን።
ሽዑ እቲ ውግእ ዝተጀመረሉ ግዜ፣ ኢሳይያስ ናብ ሱዕድያ ገይሹ ነበረ። እቲ መገሻ ከኣ ሜላ ከም ዝነበረ ደሓር በብቁሩብ ጭቡጣት ሓበሬታታት ሰሊኾም ኢዮም። ኢሳይያስ ካብ ግዜ ገድሊ ክሳብ ናጽነት፤ ሓደ ዓቢ ስርሒት ንምክያድ፣ ይገይሽ ነይሩ ኢዩ። ከምቲ ኢብራሂም ዓፋ ንምቕንጻል ውዲት ጠጅኡ ሽዑ ናብ ሱዳን ዝገሸን፣ ናብቲ ሽዑ ኣብ ሶርያ ዝነበረ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ኣቶ ሮሞዳን መሓመድ ኑር መርድእ ዝሰደደን፣ ውግእ ባድመ ንምውላዕ ድማ ክርቢት ዝሽርጥጥ እንኮ ጀነራል መዚዙ ናብ ሱዕድያ ኢዩ ዝኸደ።
ካብ መገሻ ሱዕድያ ኣብ ዝተመልሰሉ ሰዓት፣ ብቐጥታ ናብ ኤሪ-ቲቪ ቀሪቡ ንብዓት ሓርገጽ ነብዐ። ኣርቲፊሻል ኣዒንቲ ቀይሩ መደረ። ብዛዕባ እቲ ኲናት ሓንቲ ከም ዘይፈልጥ ድማ ዓው ኢሉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን መሓለን ኣስቆርቆረን።
ኩርቶ ካምሻን ሰንደል ሳእኒን ገይሩ ይዛረበሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ገበነኛ ኢሳይያስ ከምዚ በለ፦
“ካብ መገሻ ሱዕድያ ምስ ተመለስኩ ደኺመ ስለዝነበርኩ፣ ቀ…ም! ኣቢለ ከለኹ ኢዮም ኣተንሲኦሙኒ። ደሓር ‘ወያነ ኣብ ባድመ ውግእ ጀሚሮም’ ምስ በሉኒ ፈጺመ ክኣምን ኣይከኣልኩን’’ ክብል ናይ ኣምሰሉ ዘረባ ኣስመዐ።
እንተኾነ ኣብ ሱዕድያ ኣብ ሆቴሉ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ ከምቲ ድሒሩ ዝተሰምዐ፡ ምስ ፍሉያት ሰባት ጥራይ ንከተራኽቦ ክሪስታል ዝተገጣጠማ ናይ መራኸቢ ረድዮ ብትእዛዝ ተተኺላትሉ ነበረት። ኣብቲ ሆቴል ኮይኑ ንኲናት ባድመ ኣብ ዝመርሓሉ ዝነበረ ግዜ፣ ብህጹጽ ወሳኒ መጥቃዕቲ ንኺካየድ፣ እንተኾነ ግን እቲ ናህሪ ካብ ገምሃሎ ንከይሓልፍ ጥብቂ ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈ ድጉላት ምስጢራት ኣለዉ። ኲናት ባድመ ኣብዚ ዓለም ናብ ንእሽቶ ቁሸት ተቐይራትሉ ዘላ ዘመነ-ግሎባላውነት ዝተገብረ ስለዝነበረ፤ እቶም ንሓቂ ክዓባብጡ ዝፍትኑ መራሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ኪሰልጦም ኣይኮነን። ጉዳይ ባድመ ድማ ኣብ ኣህጉራዊ መጋባኣያ ዘይቅየር ፍርዲ ስለዝተዋህበሉ፣ ፈሊጡ ንሓቂ ክዓብጥ ዝደሊ ሰብ እንተዘይኮይኑ ኣዝዩ ዝተጋህደ ጉዳይ ኢዩ።
ኢሳይያስ ኣምሰሉ ኣብዘን ዝሓለፋ ዕስራን ሰለስተን ዓመታት በብቑሩብ ንዕኡ ዝመስሉ ብቅልውላው መንነት ዝሰንከሉ ሓለፍቲን ሓሽከት ሰራዊት ደምህትን ክምልምል ስለዝጸንሐ፣ ክሳብ ሎሚ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ክጸንሕ ክኢሉ ኣሎ። እቲ ምህዞን ተንኮላትን ግን ዘይውዳእ ኣይኮነን። ዛራ ሓቂ ጥራይ ኢዩ ዘይውዳእ’ምበር፣ ሓሶትሲ ፈልፋሊ ምንጪ የብላን። ስለዝኾነ ድማ እነሆ ሎሚ ሓቅታት ህዝቢ ኤርትራን፣ ሓሶታት ህግደፍን ገጽ-ንገጽ ተፋጢጦም ይርከቡ ኣለዉ። ውድቀት መንግስቲ ህግደፍን ሞት ገበነኛ ኢሳይያስን መመሊሶም ጋህዲ እናኾኑ ይመጽኡ ኣለዉ።
ብምብራዕ እቲ ኲናት ብዙሓት ሰባት ሰንቢዶም፣ ሃገር ብምልእታ ኣንቀጥቂጣ። በቲ መደረን መግለጺን ኢሳይያስ ዝሓነነ ህዝቢ ከኣ ብድሕሪ ምፍራስ ግንባራት፣ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዝመርሕዎ፤ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዓቢ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻየደ። እታ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምስጢር ዝወልዓ ክርቢት ባል-ባል ብምባላ ከኣ፣ ጭድድ ፍንጭሕ ኢሉ ዝሓደረሉ ለይቲ ነበረ። ኣሎ ተካል ዕልልታ፣ ኣሎ ድማ ርሑስ ኣውያት ዝኾኖ ፍጻሜ ምጅማር ኲናት ባድመ እምበኣር፤ ዕሉል ሽፍታ ኢሳይያስ፡ ኤርትራውያን ንምብትታን ዕላማኡ ዝሃረመሉ ነጥበ-መቐይሮ ኮነትሉ።
ሞት ክናና ንኢሳይያስ!
ደበሳ ኢዮብ ንህዝቢ ኤርትራ