ንዘይመውት ፈውሲ’ለዎ!

ንዘይመውት ፈውሲ’ለዎ!
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ 7/7/14

ከምቲ ‘ንዘይመውት ፈውሲ ኣለዎ’ ዝበሃል፡ ታሪኽናን ክብሪታትናን ከይሞተ እንከሎ፡ ሕጂ ፈውሲ ንድለየሉ። ካብዚ ሃገራዊ ቃና’ዚ ተበጊስና ኢና’ምበኣር ታሪኽናን ባህሊናን ንምዕቃብ ብኣዝዩ ንእሽቶ ዓቕምና ተበጊስና ዘለና። ሬድዮ ሕድሪ ሰማእታት፡ ነቲ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዝበታተን ዘሎ ኤርትራዊ ታሪኽ፡ ክብርታትን መንነትን ንምዕቃብ ዝተበገሰት ሃገራዊት ደወል ኢያ።

ሬድዮ ሕድሪ፡ ኣብ ዘመናዊት ኤርትራ ብደቀባት’ዛ ሃገር ንዝተፈጸመ ጅግንነት ወለድና፡ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ክልቲኡ ውድባት /ተ.ሓ.ኤ.  ህ.ግ.ሓ.ኤ./ ንዝተፈጸሙ ትዝታ ውዕሎታት ተጋደልቲን ህዝቢን ንምዝኽኻር ወላ ብዝነኣሰ ዓቕሚ ዝከኣላ ክትሰርሕ ኢያ። ሎሚ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ታሪኽና መመሊሱ ይሸራረፍ ኣሎ’ምበር ይመላላእ የለን። ከምቲ ‘ወዲ ፈረስ ኣውዲቑ ይድንግጽ፡ ወዲ ኣድጊ ከኣ ኣውዲቑ ይረግጽ’ ዝበሃል ምስላ ኣበው፣ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ንህዝብና ኣውዲቑ ዝረግጽን ዝረጋግጽን፡ ንታሪኽናን ክብርታትናን ናብ ዕዳጋ ሓራጅ ኣውሪዱ ከም ‘መርሑም ገድረክ’ ብላይ ክዳን ዝገበሮ፡ ባንዴራ ዝሰቐለ ወግዓዊ ሽፍታ ኢዩ።

ስለዚ ነፍስ-ወከፍ ዜጋ ነናብ ገዝኡ ንክምለስ ዘዝምልከቶ ዕዮ ገዛ ንክሰርሕ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ከነዘኻኽር ንፈቱ። እዚ ዕዮ’ዚ ቀሊል ኣይኮነን፡ እንተኾነ ግን ከምቲ ’መሬት ብሕዳሩ፡ ኦም ብገራሩ’ ዝበሃል፡ ሎሚ ብእዋኑ ታሪኽና ንምዕቃብ እንተተበጊስና ነቲ ነዊሕ መገሻ ብርግጽ ክንበጽሖ ኢና። ደጊምሲ! ነፍስ-ወከፍ ደላይ ጽቡቕ ሃገሩ በብዓቕሙ እንተተሳቲፍዎ፡ ዘይከኣል ነገር የለን። ሓንቲ ኢድ ንበይና ኣይተጣቖን ኢያ፡ ናብ ሸቶ ህዝቢ ንምብጻሕ’ምበኣር ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ንኺድ። ፍርሒ ይኣክል! ብፍርሑ ኣንቀጥቂጡ ናብ ከብዲ ኣዲኡ ዝተመልሰ የለን። እቲ ዘገርም ከኣ ብዙሓት ካብ ስርዓት ህግደፍ ሃዲሞም ኣብ ደገ ዘለዉ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር እንኮ ቃል ትሒም ዘይምባሎም ኢዩ። ገለ’ውን ኣለዉ፡ ካብ ብሱል ከም ጥረ፣ ካብ ናይ 1973 ናይ ‘መንካዕ’ ናይ 1976 ‘የሚን’ ምንቅስቓስ ዝሃደሙ፣ ኣብ ክፍሊ ሓለዋ ሰውራ ተቐጥቂጦም፣ ኣብ ቆርበቶም ሕላገት ኩርማጅ ኢሳይያስ ዘለዎም ክነሶም ክሳብ ሎሚ ትም መሪጾም።

ኣብ ፈነወ ሬድዮ ሕድሪ፡ እዚ ዝስዕብ መደባት ሒዝና ተበጊስና ኣለና።
ምዱብ ፈነወ፡ ሰሉስን ሓሙስን ብኣቆጻጽራ ኤርትራ ካብ ሰዓት 5 ድ.ቀ. ክሳብ ሰዓት 7 ምሸት ኢዩ። ኣብዘን ናይ ክልተ መዓልታት ምዱብ ፈነወ ከምዚ ዝስዕብ መደባት ኣሎና፡

  1. ኣብ ህሉው ጉዳይ ኤርትራ ዘተኮረ፡ እዋናዊ ሓተታ
  2. ጽላሎት ኤርትራ
  3. ዝወዓለ ይንገር
  4. ሞሶብ ጽሑፋትና
  5. ጻመውከ ለከንቱ
  6. ሌላ ምስ ኤርትራን ህዝባን
  7. ኣርካናት፡ ቅድሚ ዒራ-ዒሮ
  8. ግጥሚታትን መዘናግዒ መደባትን።

ብዘይካ’ዚ ምዱብ ፈነወ’ዚ ንኤርትራን ህሉው ስርዓት ህግደፍን ዝምልከቱ ጭቡጣትን እዋናውያንን ዜናታት ክንገሩ ኢዮም። ብ24 ግንቦት 2014 ዝጀመረ ሬድዮ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ፡ ን24 ሰዓታት ክፉት ኢዩ። ምዱብ ፈነወ ድማ  ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ማለት ሰሉስን ሓሙስን ብተቓለስቲ ንፍትሒ ካብ ሃገረ ካናዳ ብኢንተርነት ዝመሓላለፍ ናጻ ሬድዮ ኢዩ። ኣብ ናይ ቀዳም ፈነወና  ከኣ “ኣርካናት ቅድሚ ዒራ-ዒሮ” ዝብል መደብ ኣለና። እቶም ብስም ጉጅለ 15 ብኢሳይያስ ዝተኣስሩን ንኣሰቃቒ ሞት ዝተፈርዱን ደቀባት ኤርትራ፡ ቅድሚ ምእሳሮም ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ /1991-2001/ ዝነበሮም ፖለቲካዊ ንጥፈታት ንምዝኽኻር እዚ መደብ እዚ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ክቐርብ ኢዩ። ንዘይመውት ፈውሲ ኣለዎ!

ገበነኛ ስርዓት ህግደፍ ንንጥፈታት እቶም ኣርካናት ገድሊ ዝነበሩ ላዕለዎት መሪሕነት ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ታሪኾም ንምድምሳስ ካብ ኩሉ ጽላት መራኸቢ ብዙሓን ሓኺኹዎም ኢዩ። ከምኡ ከኣ 24 ሰዓታት ደርፊታትን ዜማታትን ብሄራትና ኣብዚ መደበር’ዚ ይፍነዉ ኣለዉ። ብካልእ ቃላት፡ ካብ 1960ታት፡ ሰብዓታትን ሰማንያታትን እንኮላይ ኣብ ዘመነ ገድሊ ክልቲኡ ውድባትን ክሳብ’ዚ እዋን’ዚን ብኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ዝፈረዩ ልዕሊ 6 ሽሕ ደርፊታት ሃገርና ኣብዚ /www.alenaforever.com/ ሰርቨር’ዚ ብቅደም-ተኸተል ይስምዑ ኣሉዉ።

ልዕሊ 23 ዓመታት ናይ ቃላት ኣድራጋ ጠያይት ተተኲሱ ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ ንምስዓር ክንዮ ቃላት፡ ብግብሪ ንስራሕ። ካብ ጸቢብ ውሻጠ ናብ ምድሪ-ቤት፣ ካብ ምድሪ-ቤት’ውን ናብ ገፊሕ ቅርዓት ንውጻእ። እቲ ደርፊ መን ደረፎ? እቲ ደራፋይ’ከ ኣበየናይ ውድብ ነበረ? ሎሚ’ኸ ኣብ ኤርትራ’ዶ ኣብ ደገ ይነብር ኣሎ? ዝብል መፍለዪ  ዶብ ምግባር ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ። ደምበ ተቓውሞ /ደለይቲ ፍትሒ/ ቅድም ቀዳድም ወግዓዊ ጽላል ወይ ዘመሓድሮ ባይቶ የብሉን። ወላ ከም ‘ቀጽሪ ናጽነት ኤርትራ’ መጠርነፊ እንተዝህልዎ’ውን ካብቶም ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ንክንደይ ሰባት ኢዮም ክቕበሉን ባጀላ ክህቡን? ንበዓል መን ኢዮም’ከ ዝኹንኑ ገና ዝተሓቑነን ዝጸዓየን ቶፈይቶ /ኣልባ/ የለን። ንሕና ኤርትራውያን ርሑቕ ከይከድና፡ ካብ ናይ ትማሊን ናይ ሎሚ ሶማል ክንመሃር እንተኽኢልና ጥራይ ምኣኸለ ነይሩ።

ስለዚ እቶም ብግዝያዊ ረብሓ ምስ ስርዓት ህግደፍ ወጊኖም ዘለዉ ስነ-ጥበበኛታት ኤርትራ፡ ልቢ ይሃቦም። ሕጂ ይወስኑ! ገለ ጽባሕ ንግሆ ንክእሰሩ ገመድ ተፋሒሱሎም ኣሎ። ገለ ከኣ ሃዲሞም ብሊብያ ንምስጋር ክፍትኑ እንከለዉ፡ ዕጫ ላምፐዱሳ’ውን ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ዝግ ኢሎም ንክሓስቡ በዚ ኣጋጣሚዝ ንላበዎም ኣለና። ህዝቢ ይዕዘቦም ከም ዘሎ ፈሊጦም፡ ሃገራዊ ውሳኔ ንክውስኑ ማዕጾ ደለይቲ ፍትሒ ክፉት ኢዩ። እምበኣር ኣተኩሮ ሬድዮ ሕድሪ፡ ንኩሉ ኤርትራዊ ስነ-ጥበባዊ ፍርያት ምቕራብ ኢዩ። ኣብ ዘመናዊት ኤርትራ ካብ ግዜ ፈደረሽን ክሳብ ሎሚ ብዜጋታትና ዝተዘየሙ ደርፊታትን ሙዚቃታትን ነዚ ዝዓርብ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ኣይውክሉን ኢዮም። ዝተዋጠየ እንተተዋጠየ ከኣ፡ ነዚ ከም ደርሆ ዓርቢ ስቕለት ዕምሩ ዝኣኸለ ዓርጓድ ስርዓት ኢንፍዩዥን ክኾኖ ኣይክእልን ኢዩ።

ክሳብ ሎሚ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ተዘርጊሖም ዘለዉ ዜማታት ብሄራትና፡ /ንኢሳይያስ ወይ ንህግደፍ ክሳብ ዘይወደሱ/ ምስምዖም  ሓራም ኣይኮነን። ከምቲ ላም ምራኻ ሞይቱ እንከሎ፡ ብዓረማ ትሕለብ፣ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ክብርታቱ መመሊሱ እናተቐብረ ሰኣን ምስትውዓል ብደርፊን ትዝታ ቀደምን ይዘናጋዕ ኣሎ። እቶም ካብ ዘመነ ገድሊ ክሳብ ሎሚ ዝፈረዩ ደርፊታት፡ ጽባሕ ኣብ ሓራን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ እውን ንምስምዖም ዝኽልክል ቅዋም ኣይክህሉን ኢዩ።

ንዘይመውት ፈውሲ ኣለዎ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ደርፊ  ዜጋታቱ ጾመ-ኣርበዓን፡ ጾመ-ሮሞዳንን የብሉን። ልክዕ’ዩ ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ሓዘን ኣጋጢሙዎ ዘሎ ተሃዋሲ ህሞት፡ ጨፈራን ዝላን ኣይመድለየን። ግን እዚ ስርዓት’ዚ ከምቲ ’ንገረብ ብሓኽላ’ ዝበሃል፤ ንሱ ተዓዛቢ ክኸውን ንሕና ከኣ ንሓድሕድና ብስም ጀብሃን ሻዕብያን ክንፋለስ፡ ኣብ ክንዲ ውቐይ ናብ ዕንኪላሎ ክንነብር ዘይመሃዞ ውዲት የለን።

ደርፊ፤ ከም ደርፊ መጠን፡ ንባህሊ፡ ንሃገር፡ ንፍቕሪ፡ ንሰብኣዊ ክብሪ ክሳብ ዝፈረየ፣ ሃናጺ ’ምበር ንእዝንኻ ዝኾኺ ሓጸልጸል፡ ወይ ኣዕጽምትኻ ዝሰብር መደረጋሕ ኣይኮነን።
እምበኣርከስ ክቡራትን ክቡራንን! ከምቲ ኔልሰን ማንዴላ፤ “ሃገር እንተዘየላ ኣይኮነን’ዶ ደው ኢልካ ትነብረሉስ፤ ኮፍ ኢልካ እትሓዝነሉ ባይታ’ውን ኣይርከብን ኢዩ” ዝበሎ፡ ታሪኽና እንተተባሕጒጉን ቀስ-ብቐስ እንተጠፊኡን፡ ብሂወት ክሳብ ዘለና ከምቲ ወዲ ሰብ ሓንሳብ ካብ ዓለም ምስ ተፋነወ ንዘለኣለም ሰቡ ዘይርኢ፡ ንሕና’ውን ከም ምዉታት ህዝብናን ሃገርናን እንርእየሉ መዓልቲ ኣይክህሉን ኢዩ። ምስ ሞትና እውን ኣብ ጎድኒ ኣቦሓጎታትና ንምቕባር ሓመድ ዓድና እንብቀቐሉ ግዜ ክኸውን ኢዩ። ስለዚ ህዝበይ! ኣብ ክንዲ ጽባሕ ዓሰርተ ሞት፡ ስለ’ቲ ዝጠፍእ ዘሎ መንእሰይ ወለዶ ሎሚ ሓደ ሞት ንሙማት ምርጫና ይኹን። እንተዘየሎ፡ እወ እንተዘየሎ! ንውሉድ ወለዶና ተጣዒስና ዘይንመልሶ ተርእዮ ክመጽእ ይኽእል ኢዩ።

ሬድዮ ሕድሪ፡ ሕልና ህዝቢና ንምድባስ ዝመሓላለፍ ዘሎ መቓልሕ ብድሆ ኤርትራውያን ኢዩ። ንዘይመውት ፈውሲ ኣለዎ። ነታ ኣብ ኣንፊ ሞት ዘላ ኤርትራ ንምድሓን፡ ኩላትና በብክእለትና ሎሚ ሳቮያ ንበል።

ደበሳ ኢዮብ ንህዝቢ ኤርትራ!

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.