ህጹጽ ሃገራዊ ጸዋዒት ንዝበረኸ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተላእከ ፍሉይ መልእኽቲ

ህጹጽ ሃገራዊ ጸዋዒት ንዝበረኸ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተላእከ ፍሉይ መልእኽቲ

ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃገር ዝነብሩ ሃገራውያን “ህጹጽ ሃገራዊ ጸዋዒት ንዝበረኸ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት” ዝብል ጸዋዒት ሃገር ሓዘል ጽሑፍ ብስም ኤርትራን ህዝባን ይዝርግሑ ኣለው። እዚ መድረኽ እዚ ዕድል ኤርትራ ኣብ ኢድ ነብስ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ዝወደቐሉ፡ ነብስ ወከፍ ኤርትራዊ ብውልቂ ዝሕተተሉ፡ ኣዝዩ ሓደገኛ ታሪኻዊ መድርኽ ምኻኑ ንኹሉ ብሩህ’ዩ። እዚ ጽሑፍ ከኣ እዛ ተስፋኣ ተጸንቂቑ ንሓዋሩ ንኸይትጸንት ትሰሓግ ዘላ ኤርትራ፡ ንኹሎም ደቃ በብሓደ እናጸወዐት ርድኡኒ ካብ ጥፍኣት ኣድሑኑኒ እናበለት ናይ ሓደጋ ደወል ትድውለሉን ምሕጽንትኣ ትገልጸሉን ዘላ ጽሑፍ’ዩ።

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ብዘይካ እቲ ይቕረታ ክሓትት ዘይፍቅደሉ ብፍላጥ ሃገር ዘዕኑን ህዝቢ ዘጽንትን ዘሎ ኢሳይያስ ኣፈወረቅን ስጉምቲ ክውሰደሎም ዝተወሰነሎም መሻርኽቱ ውልቀ ሰባትን፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ምሉእ ምሕረት ክግበረሉ ከም ዝግባእ ይኣምን። ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ኩሉ ይቕረታ ሓቲቱ ህዝቡን ሃገሩን ክኽሕስ ድልው ዝኾነ ዜጋ፡ ክሳዕ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ዕለት 20 ሰነ 2014 ዓ. ም. ምስ ፖለቲካን ሃገራዊ ጉዳይን ዝተሓሓዝ ዝፈጸሞ ገበናት ብምሉኡ ምሕረት ክግበረሉ፡ ብስም ሰማእታት ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ውሳንኡ የቕርብ። 20 ሰነ 2014 ዓ.ም. መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ መዓልቲ ሰላምን ዕርቅን መዓልቲ ይቕረ ምብህሃልን ምምሕሓርን፡ መዓልቲ ፍቕርን ምትሕቑቓፍን ኤርትራውያን ምእንቲ ክትከውን፡ እዛ ዕለት እዚኣ መብጽዓ ጀጋኑ ሰማእታት ብግብሪ ዝሕደሰላ፡ ካብ መሬት ኤርትራ ቂምን ቅርሕንትን ንሓዋሩ ዝሕከኸላ ዕለት ክትከውን ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት ውሳነኡን ምሕጽንትኡን የቕርብ። ካብ እዛ ምሕረት ዝተወሰነላ ዕለት ካብ 20 ሰነ 2014 ዓ.ም.  ንደሓር ብፍርሒ ይኹን ብረብሓ፡ ብትእዛዝ ይኹን ብውልቀ-ድልየት፡ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መሳርሒ ስርዓት ኢሳይያስ ክኸውን ዝፍትን ውልቀሰብ ንህዝቡ ይቕረታ ከም ዘይሓተተ ይሕሰብ። ብህዝቢ ንዝተዋህቦ ምሕረት ሸለል ኢሉ ኣገልጋሊ ኢስይያስ ኮይኑ ክቕጽል ብምምራጹ ከኣ ናይ ኩሉ’ቲ ኣብ ቅድሚ ናጽነትን ድሕሪ ናጽነትን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፈጸሞ በደልን፡ ናይ’ቲ ኩሉ ብስርዓት ኢሳይያስ ዝፍጸም ገበናትን ብውልቁ ተሓታቲ ይኸውን።

ምሉእ ትሕስቶ ኣብ መርበብ ኣሰና…

ንዓመታ ኣብ ኤርትራ! 1ይ ክፋል

ንዓመታ ኣብ ኤርትራ!
1ይ ክፋል

ኣብ ናይ ሎሚ መደብ ስዉኣት፡ ‘ንዓመታ ኣብ ኤርታር’ ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ሓንቲ ስድራ ኣብ ዘመነ-ገድሊ ዘሕለፈቶ መሰክሕ ጉዕዞ ክንጸዊ ኢና። ዝተፈራረቐ ሂወት ገድሊ፣ ኣብቲ ንበይንኻ ምግዳል’ኳ ንጋዳ ዝነበረሉ ፈታኒ እዋን፡ ምግዳል ብስድራ ቤት ከመይ’ኮን ነበረ? ንሎሚ ፍቕሪ ሓዳርን ፍቕሪ ስድራ-ቤትን ክንርኢ ኢና’ሞ እስከ ዝግ ኢልና ንከታተል። ፍቕሪ ውላድ “ወሊድካ ፈትን’’ ዚብል መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ወሊዱ ዝፈተነ ኢዩ ዚፈልጦ። ፈተነ ኣብ ህይወት ወላዲ ናይቲ በሊዕካ እትጸግብ ተኸዲንካ እትማሙቕ ዘይመስሎ ርህሩህ ወላዲ። ሕጊ ተፈጥሮ ግዲ ኮይኑ ግን ውሉድ ምስ ወለደ ጥራይ ኢዩ ኣብ ውላዱ ዝፍትኖ። “ከብዲ ወላዲ ፈጥ-ፈጥ ከብዲ ውሉድ ገጥ’’ ዝብልዎ ከኣ ከምዚ’ዩ። ግን ከብዲ ወላዲ ከኣ ካብ እምኒ ዝጸንዓሉ ግዜ ኣሎ። እቲ ጊንጢ ተርእዮ ናብ ዝኸፍአ ጫፉ ኣብ ዝበጽሓሉ ግዜ፣ ንምጭካን ዝወለደት ማህጸን’ኳ ትገድድ።

ተጋዳሊት ጸሃይቱ ፍሰሃየ ጓል 53 ዓመት ኣደ 6 ቆልዑት ክነሳ ምስ ኩላቶም ደቃ ንክትጋደል ኢላ ናብ ሜዳ ወጸት። ዋእ! ኣብቲ ንቁርባንን ስግዳንን ትቀራረበሉ ዝነበረት ዓመትሲ… ንገድሊ! እህምምምምም! ለካ ጉዕዞ ንናጽነትሲ ልዕሊ ቁርባንን ስግዳንን ስለዝነበረ ኢዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ መንእሰያት ጥራይ ዘይኮኑስ ዓበይቲ’ውን ዝተሳተፉዎ። ሎሚ ሓደ ነቢይ ከም ገለ ኢሉ፦ “ኢሳይያስ ሞይቱ ንክሓድር መን ኣላ 6 ቆልዑታ ሒዛ ንሳሕል እትኸይድ?” እንተዝብለናስ ኣየነይቲ ስድራ’ኾን ምተበገሰት! እስከ ናብ ታሪኽ ተጋዳሊት ጸሃይቱን ስድራ ቤታን ንኺድ፦
ጓል 53 ጸሃይቱ ብድሕሪ ምዱብ ታዕሊም ናብ ኮር 491 ተመደበት። ዕድመን ሕሰም ናብራ ገድሊን ኣብ ኣካላታ ዝገደፉዎ ኣሰር ንምርዳእ ነጋሪ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይነበረን። ጸሃይቱ ኩሉ ዓይነት ኣደ’ያ። ከም ኣደ ወላድ፣ ከም ኣደ ሓርበኛታት፤ ከም ንባዕላ’ውን መስርዕ ዝኾኑ ቆልዑት ገዲፋ ምግዳላ ክሳብ ክንደይ መዓቀኒ ነይሩዎ ይኸውን ሃገራውነታ?

ጸሃይቱ ኣብ 60ታት (ዘመነ-ክፍልታት) በቶም ቀዳሞት ኣብ ከባቢኣ ዝነበሩ ተጋደልቲ በዓል ኣብርሃም ተወልደ፣ ናስር ኪዳነን ዳውዶን ተተባቢዓ ተወደበት። ሰውራ ኣብ እግሪ ተኽሉ ኣብ ዓዳ ኣውህነ (ከባቢ ዓዲ ቀይሕ) ብምስጢር ንተጋደልቲ ትዕንግልን ትሕብሕብን ነበረት። በዓል ቤታ ተጋዳላይ መምህር ጸሃየ፣ መጀመርያ ኣብ ስሳታት ብሃገራዊ ጉዳይ ስለዝተኣስረን ብድሕሪኡ ድማ ናብ ሜዳ ስለዝወጸን መነባብሮ ኣዝዩ ጸንከራ። ጸጉሪ እናቖነነትን ክዳውንቲ እናሓጸበትን ኢያ ንደቃ ከተዕቢ ዝጀመረት። ኣብ 1977 ከኣ እቲ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ርሱን ሃገራዊ ስምዒት ደሪኹዋ ናብ ሜዳ ወጸት። እንተኾነ ደቃ ኣዝዮም ንኣሽቱ ስለዝነበሩ ናብ መደበር ዑቕበኛታት ኢያ ኣትያ።

“መጀመርያ ንዝነበረኒ ናይ ምግዳል ድሌት ስለዘይተማላኣኣለይ ማዳን ጓህን ኮይነ። እቲ ዝተቐበለኒ ናይ ሓድነትን ሰሓቕን ማሕበራዊ ናብራ ግን ንህይወተይ ቀይሩዎ። ሕጉስቲ ድማ ኮንኩ።” ትብል። ኣብቲ መዓስከር ንዝነበረ ህይወት ድማ ትዝርዝር፣ ሽዑ ኣብ ደብዓት ተዓቚበን ዝነበራ ኣዴታት ንግሆ ተንሲአን ካብ ነፋሪት እናተሓብኣ፣ ክዳውንቲ ውጉኣት ኪሓጽባ ይውዕላ ነበራ። ገሊአን ሳኣኒ ስለዘይነበረን ነቲ ብብርቱዕ ጸሓይ ዝረሰነ ሑጻ ደብዓት /ሳሕል/ ኪረግጽኦ ስለዘይከኣላ፣ ባኮ ቀዲደን ብፈትሊ ሰፍየን ከም ጫማ ይጥቀማሉ ነበራ።

ሓንቲ ኣደ ባኮ ጫማ ኣብ እግራ ኣሲራ ነቲ ረመጽ ሑጻ ምስ ሰገረት፣ ነታ ደድሕሪኣ እትስዕብ ሩባ ዘይተሳገረት ኣደ ትድርብየላ ነበረት። ምስቲ ኩሉ ጽንኩር ሂወት ግን ኣጋ ምሸት ስርሐን ምስ ወድኣ፣ መጋርያ ኣጒደን ህር…! ዝበለ ጓይላ ይገብራን ይስዕስዓን። ኣብቲ መጀመርያ ተመኩሮ ከይደለባ ከለዋ፣ ዝተቖርጸ ስረ ወይ እጅገ እንተርእየን፤ ደቅና /ሰብኡትና/ ተቖሪጾም ማለት’ዩ እናበላ ይነብዓ ነበራ። ደሓር ግን ለመድኦ። ምኽንያቱ ኩለን ብረት ሒዘን ኣብ ግንባራት ክዋግኣ’ምበር ኣብ መደበር ዑቕበኛታት ኮፍ ክብላ ድሌት ስለዘይነበረን። እዚ ኢዩ ድማ እቲ ነባሪ ሕላገት ኤርትራውያን። ስለዚ መስዋእቲ ጀጋኑና ንብላሽ ኣይኮነን። ብርግጽ ከኣ ንዓመታ ኣብ ኤርትራ ክንራኸብ ኢና።

ጸሃይቱ ናብ ሜዳ ክትወጽእ ከላ ነብሰ-ጾር ኢያ ነይራ። ምስቲ ጽንኩር ግዜ ነቲ ነዊሕ መንገዲ ድማ ኣብ ከብዳ ዕሸል ተሰኪማ በዲሃቶ። እዚ ተጠኒሱ ካብ ዓዲ ዝወጸ 6ይ ውላዳ ድማ ኣብ መደበር ዑቕበኛታት ወለደቶ። ነቶም ሓሙሽተ ናብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ የእትያ፣ ነቲ ሕጻን ኣብ 10 ወርሑ ናብ መዕበያ ቆልዑት ገዲፋ ከኣ ንክትጋደል ናብ ሓይልታት ከደት። ክፍሊ ማሕበራዊ ጉዳይ ግን ነቲ ዕሸል ምስ ረኣዩዎ፣ ካብ ግንባራት ተመሊሳ ወዳ ንከተዕቢ ሰሓብዋ። ሕጻን ምስ ዓኾኸ ድማ ኣብ 1982 ዓ.ም. ከም እንደገና ናብ ግንባራታ ተመልሰት።

ቦኽሪ ወዳ ኢሳይያስ ጸሃየ ቅድሚኡ ኣብ 1976 ንሜዳ ምስ ወጸ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኢዩ ዓብዩ። ሓደ ካብቶም ብዋዒኦም ዝተፈልጡ ድማ ነበረ። ካብቶም ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዘፍረየቶም ኣሽሓት መንእሰያት ኢዩ። ምስ ዓበየ ናብ ቅድመ ግንባራት ከደ። ድሕሪ ታዕሊም ግን ናብ ክፍሊ ጋራጅ መራፊት ተመደበ። ኣብ ግዜ 6ይ ወራር ድማ ናብ ግንባራት ሞሊቑ ባዕሉ ከተተ። ኣብ ግንባራት ንብጾቱ ምሂሩ፣ ሰሪሑ፣ ተዋጊኡን ከም መንእሰይ ድማ ኣፍቂሩን ተመርዕዩን ነበረ።

ከም ኩሎም ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ኩነታት ውግእን ሳዕቤናቱን ሕሰም ፍቕሪ ጀሚሮም ከይተጻገቡን ዕላል ፍቕሪ ከይተገላለጹን ዝተፈላለዩ ተጋደልቲ ድማ፤ ከቢድ ምፍልላይ ኣጋጢሙዎም። እነሃ ድማ ኣብቲ ጽንኩር ኩነታት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናብ ወላዲቱ ዝጸሓፋ ደብዳበ ከምዚ ትብል፦

14/05/1990

ናብ ዝኸበርክን ዝተናፈቕክን ኣደይ ጸሃይቱ ፍስሃየ። ብመጀመርያ ድሙቕን ዕዙዝን ብጻያውን ውላዳውን ሰላምታይ ንዓኺ ይኹን።

ክብርቲ ወላዲተይ!

ኣብ ሂወትኪ ሓጎስ፣ ቅሳነትን ጥዕናን እምነየልኪ። ብኡ መጠን ኣብ ቀጻሊ ንጥፈታትኪ ዓወትን ኣሳልጦን ግስጋሰን እጽበ። ብምስዓብ ኣደይ ወላዲተይ ብወርሒ 4 ወረቐት ሰዲደልኪ ነይረ። ሕጂ’ውን ዳግማይ እሰደልኪ ኣለኹ። ኣነ ከም ቀደመይ ጽቡቕ ኣለኹ። ኩላቶም ብጾትን ስራሕን’ውን ጽቡቕ ኣለዉ። ንስኺ ሓርበኛዊት ኣደይ ከኣ ጽቡቕ ክትህልውለይ ሰናይ ትምኒተይ ኢዩ። ኩሎም ኣሕዋትናን ስድራናን ብጾትን ከኣ ጽቡቕ ኪህልዉ በዓል ዓቢ ተስፋ እየ። ኤደን ጽቡቕ ኣላ። ኣዱሊስ፣ መሪሕ፣ ተኽልንኪኤል ከኣ ምስቶም ርህሩሃት ስድራ ኣዴና ጽገሃና ጽቡቕ ኣሎዉ።

ዝከበርኪ ወላዲተይ!

ኣበባ ልክዕ ከምቶም በጃ ህዝብን ሃገርን ዝሓለፉ ሰማእታት ጽዋእ መስዋእቲ ተቐቢላ ዋጋ ሓርነት ኮይና ሓሊፋ ኣላ። ህላዌ ኣበባ ውላዌ ኢሳይያስ ኢዩ። ከምኡ ናትኪ። ጥማዕ ደም ኣበባ ግን ሕላገት ኣለዎ፣ ሕላገት ሕድሪ። ስለዚ ኣነ ኣብ ልዕሊ መቓብር ኣበባ ኮይነ ዘይተሰዓርነተይ ከረጋግጽ፣ ሒዛቶ ንዝነበረት ልዓት ሽጉጥ ጨቢጠ ጨጓር ንውሽጢ፤ እነብሕን እምርሽን ኣለኹ። እወ! ድሕሪ ኣበባ ወላ ንሓንቲ ሰከንድ’ውን ትኹን ኣየር ኤርትራ ንከተንፍስ ፍቓደኛ ኣይነበርኩን፣ ኮይኑ ግን። ይኣክል ጸሃይቱ…የ! ብዙሕ ኣይተዛርብኒ። እቲ ምንታይ እናነባዕኩ ይጽሕፍ ስለዘለኹስ ድሕሪ ማይ፡ ንብዓተይ ናብ ደም ከይቅየር።

ንስኺ ከኣ ኣበባ ዚርሳዕ ሕላገት ስለዘይብላ፣ እንተለኹ ጽቡቕ ከምኡ እንተኾነ ከኣ ንስድራቤታ ኣይትጥለምዮም ሓደራ! ኣይትንገርዮም… ወይ እውን ዘጠራጥር ምልከት ኣይተርእይዮም። ካልእ ኩሉ ስእልታትና እሰደልኪ ኣለኹ። ዝተረፈ ስእልታትን ዶኩመንትን ምስ ወዲ ሽፍታ ኢዩ ዘሎ። ወዲ ሽፍታ ናብ እንዳ 24 ተቐይሩ ናብ ግንባር ከረን ስለዝተመልሰ፣ ሕጂ ክሰደልኪ ኣይከኣልኩን። ኣብ ቀጻሊ ግን ንካላኣይ ግዜ ኣሕጺብኪ ንክትሰድዮ እሰደልኪ ኣለኹ። ካልእ ናይ 89 ስእልታትና ምስ ወዲ ፈረጅ ኢዩ ዘሎ፣ ምስ ወጸ ኪሰደልኪ እየ። ኣበባ ቅድመይ ሓሊፋ ኣላ። ኣነ’ውን ንናጽነት ኣይክርእያን እየ። ብርግጽ እየ ዝብለኪ ዘለኹ። ግና ከም ቀደምኪ ንከብድኺ ክሳብ ህዝብና ብናጽነት ዝዕልል እምኒ ምልእያ። ብዝተረፈ ይኣኽለና። ምናልባት ንክንራኸብ ናብ ድግድግታ እንተትመጺ ጽቡቕ ምኾነ። እንተዘይተኻእለ ግን ቻው…ቻው!!! ረሲዐ’ባ ንጳውሎስ ሰላም በልለይ ኢኺ።

እዛ ዝሰደልኪ ዘለኹ ግጥሚ ግዜ እንተረኺበ ክሳብ ኣስፊሐ ናብ ካሴት ዝቐርጻ ንመዘከርታ ምሳኺ ሓዝያ። ኣፍቃሪተይን ክብርቲ በዓልቲ ቤተይን ኣበባ ብዕለት 09/04/1990 ኣብ ግንባር ጊንዳዕ፣ ግሓይት ኣብ ዝተባህለ ቦታ ልክዕ ሰዓት 05፣30 ወጋሕታ ብቦምባ ኢድ ጸላኢ ኢያ ተሰዊኣ። ምናልባት ግዜ እንተተረኺቡ መቓብራ ከርእየኪ እየ።
ኢሰያስ “… ንጣብ ደም ኣበባ ዘይርሳዕ ሕላገት ኣለዎ፣ ሕላገት ሕድሪ። ኣነ ከኣ ጨጓር ንውሽጢ፣ ሒዛቶ ንዝነበረት ልዓት ሽጉጥ ጨቢጠ እምርሽ ኣለኹ።’’ ኢሉ ናብ ኣዲኡ ወላዲቱ ደብዳቤ ሰዲዱ። እንተኾነ ከም ሰብ መጠን ከይሓዘነ ኣይተረፈን። ብዛዕባ እቲ ዘሕለፎ ሓጺር ምዉቕ ፍቕሪ ብዙሕ ኢዩ ገጢሙ።

ኣብታ ጽሑፋት እትዕቅብ ንእሽቶ ኖት ቡክ ዓጺፉ ብውሕልነት ኣብ ጓል-ብስክሊቱ (ዕጥቁ) ኣንቢሩዋ ነበረ። ምናልባ ፍቕሪ ብሰለስተ ፊደላት እትግለጽ ሓጻር ሓረግ መሲላ ትርአ ትኸውን። ናይ ኢሰያስን ኣበባን ፍቅሪ ግን እቲ ኣብ መንጎ መዳፍዕን ደብዳብ ነፈርቲን ዝበቖለን ብሓዊ ዝዓምበበን ፍቕሪ ኢዩ። ፍቕሪን ብጻይነትን፤ ፍቕሪን ሓያል ዕላማን። ናይ ሜዳ ፍቕሪ፣ መርዓን መስዋእቲን ጉዳም ኢዩ። ክልቴኻ ኣብ ሓደ ኣሃዱ ትምደበሉ ግዜ’ውን ብዙሕ ኢዩ። ኲናት እናክጽዕጽዕ ኣብ ክንዲ ናይ ገዛእ ርእስኻስ ናይ ኣፍቃሪትካ ሂወት ይርኣየካ። እቲ ምንታይ ፍቕሪ፣ ስለ ፍቕሪ ጥራይ ስለዘይነበረ።

 

ሓወልቲ ኣብ ልብና!
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!
20/06/2014
ንዓመታ ኣብ ኤርትራ ክንራኸብ ኢና

 

 

 

ሓውኻ ኣብ ሳንዱቕ ሬሳ ኢዩ ዘሎ!

ሓውኻ ኣብ ሳንዱቕ ሬሳ ኢዩ ዘሎ!
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/

ከምቲ 4 ጳጳሳት መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ‘ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ኢሎም ዝጠቐስዎ እዋናዊ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፣ ንሎሚ ኣብ 20 ሰነ ኴንና ስለ ሕድሪ፡ ስለ ኤርትራዊ ስነ-ምግባር፡ ኣንታ ኤርትራዊ ሓውኻ ኣብ ሬሳ ሳንዱቕ ከም ስጋ ሳርዲን ተዓሺጉ እንከሎስ፡ ፈስቲቫል ቦሎኛ ተኣዊጁ። ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ኤርትራውያን ኮይኑ እንተሳዕስዐ፣ የምሕረሉ ኢዩ። ንጣብ ኤርትራዊት ደም ስለዘይብሉ ከኣ፡ ዝሞተ እንተሞተ ዕጅብ ኢሉዎ ኣይፈልጥን ኢዩ። እሞ ኣንታ ሰብ! ገ እናበሉኻ ኣይትጋገ! ከመይ ጌርካ ኢኻ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ከተኹድድ?

ዓገብ! ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ዝብል ገዚፍ ትርጉም ዘለዎ ኣምር ናብ ደምና ክተሓዋወስ ይግባእ። ‘ሰብ ብያታ እኽሊ ብገበታ’ ከም ዝበሃል፣ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ካብ ጥንቲ ካብ ጥቅምቲ ሓርበኛ ያታ ዝነበሮ፡ ኣብቲ ፈታኒ ወቕቲ፣ ሂወት ከም ዋጋ ናጽነት ሞባእ ዝኽፈለሉ ዝነበረ ግዜ እውን ብዛዕባ ሓዉን ሓፍቱን ኣገማጢሉ ዝሓትትን ዝግደስን ህዝቢ ኢዩ ዝነበረ። ታሪኽ ንምስክር ኤርትራውያን እንተዝሕተት፤ ጅግንነትን መስዋእቲን ከምኡ እውን ጽፉፍ ስነ-ምግባርን ፈሪሃ እግዚኣብሄርን ሕላገትና ምዃኑ ብትኽክል ምመስከረ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ 23 ናይ ናጽነት ዓመታት ነቲ ኣብ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲን ድሒሩ ዘጋጠመን ረዚን መስዋእቲ ደቁ እናዘከረ ኢዩ ክመጽእ ጸኒሑ።

ዝኽሪ ጀጋኑ ምስ ንብዓቱን ኣብ ጥሙይ ከብዱን! እቲ ቀዳሞት ደቁ ስለ ባህጊ ሙሉእ ህዝቢ ንመስዋእቲ ዘወፈየ ጅግና ህዝቢ ኤርትራ፤ ሞት ካብ ጎረቤቱ ኣይለቅቕን ስለዝበለቶ ኣብቲ ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝወልዖ ዓርሞ ኲናት ባድመ’ውን ዓሰርተታት ኣሽሓት በራውር መንእሰያት ደቁ ንክኸፍል ተገዲዱን ገና’ውን ኣብ ምድረ-በዳ ሲናይን ኣብ ባሕሪታትን ይሃልቕ ኣሎ። ላምፐዱሳ ባዕላ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ ትመስክር! ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ መልኣከ-ሞት ምስ ኤርትራውያን ነጸላ መንደቕ ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ ህሞት፣ ኣንታ ኤርትራዊ ሰብ! ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ከመይ ዝኣመሰለ ደም ዲኻ ቀይርካ? እሞ ሓውኻ’ኸ ኣበይ ኣሎ?

ብሰንኪ እታ ኣብ ወርሒ ግንቦት 1998 ዓ.ም. ብመደብ ዝተሸርጠጠት ሓደገኛ ክርቢት ከኣ፡ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ደገን ናብ ኣዝዩ ዘንቆልቆለ ቁጠባዊ ሰልሚ ተሸሚሙ ይርከብ ኣሎ። በሰላ ኲናት ባድመ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን፡ ከም መለለዪ ብሮት ድኽነትን ጥፍሽናን፡ ከም ሽቑረራ መንነትን ስክፍታ ኣነባብራን ፈጢሩ ኣሎ። ኣንታ ኤርትራዊ፡ ሓውኻ ሓመድ ኣዳም ተነፊጉዎ ኣብ ሳንዱቕ ተቐሚጡ ኣሎ! ሓውኻ እስከ ኣበይ ኣሎ?

ቀዳማይ ዝተደርመመ ኣርእስ ኤርትራውያን ኣዴታትካ ከይተፈትሐ፡ ንሳተን ናብ ዓዲ እዝግሄር ከይደን ኢየን። ካልኣይ ሳልሳይ…ራብዓይ መርድእ ኣብ ቅርዓት ገዛውትና ኮይኑ ደበለ። ናይ ሓዘን ዳሳት ገና መመሊሱ ይትከል ኣሎ። ኣብዘን ዝሓለፋ 16 ዓመታት (1998-2014) ዝጠፍአ መንእሰይን ገና’ውን ዝጠፍእ ዘሎን ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ‘ንምራኽ እኖኣ ሓቲትካ ተዋገያ’ ከም ዝበሃል፤ እቶም ንታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ረሲዖም ንጥፍኣቱ ካሪክለም ክሕንጽጹ ዝሓድሩ ተዃሉ፤ ኢሳይያስን ደቀ-መዛሙርቱን፡ ዝግ ኢሎም ክሓስቡ’ሞ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ዝሓለፈ ጽላት ታሪኹ ንዝነበረ ጽሑፍ ንከንብቡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ነዘኻኽሮም። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ከንቱ ሓዘን ሓዚኑ ዝተርፍ ዘይኮነስ፤ ርሑቕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ፤ እጹብ ድንቂ ብዝኾነ ነጎዳ ደበሳ ኢዮብ ክድበስ ኢዩ። ግን…! ሓውኻ ኣበይ ኣሎ ኢልና ምስ ነፍስና ንተዓረቕ’ሞ ስለ ሕድሪ ሰማእታትና ሎሚ እምቢ ሳዕስዒት ኣብ ልዕሊ ሬሳታተይ በል።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዘመን ዝክረ-ሰማእታት ካብቲ ን23 ዓመታት ኣብ ዓመት-ዓመት ዝቐርብ ዝነበረ ሓፈሻዊ መግለጺ፤ ፍልይ ብዝበለ መልክዕ ብዛዕባ ረዚን ሓላፍነት ሃገርን ጉዕዞ ኣናብስ ደቂ ኤርትራ ኣብ ሜዳን፣ ብድሕሪ ናጽነት፡ ገና’ውን ክሳብ ሎሚ ንዘሎ ህልቂት ዝምልከት ጃምላዊን ታሪኽ ውልቀ-መስዋእቲን እንተዝዝንቶ ምመረጽና። ከመይሲ፡ እዋኑ ንዝኽሪ ዝዕድም ተሃዋሲ ግዜ ስለዝኾነ። ኣበይ ኣሎ ስዉእ? ኣበይ ኣላ ስውእቲ? ኣበይ ኣለዉ እሱራት? ኣበይ ኣላ ኣደ ስዉእ? እታ ብሕሰም ዝማደየት ኤርትራዊት ኣደ’ኸ ተደቢሳ’ዶ? እሞ ኣንታ ኤርትራዊ ሰብ፡ ንመልሓስካ ክሓዶ’ሞ ብናይ ሕልናኻ ቤት ፍርዲ ፍረድ።

ሞት ንቡር’ዩ። ኣብ ዓለም ሂወት ዘለዎ ፍጡር ይውለድን ይመውትን ኢዩ። ብኣንጻር እቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝገብሮ ምትኽኻእን ዳግም ምፍላስ ሂወትን ግን ሞት የለን ክንብል ንኽእል። ስለ ህዝቢ፣ ስለ ሃገርን ክብረትን ዝኽፈል ሞት ከኣ መስዋእቲ ኢልናዮ። እምበኣር ንሕና ኤርትራውያን ናጽነትናን ሓርነትናን ንምርካብ ክቡር መስዋእቲ ከፊልና ኢና’ሞ ጅግንነት መለለዪ ሕላገትና ኢዩ እንተበልና ካብ ሓቂ ዝወጸ ኣበሃህላ ኣይኮነን። ግን እቲ ሞት ከመይ ገይሩ ኢዩ ተዓራሪኹና? መን ኢዩ’ኸ ንኤርትራዊ ምስ ሞት ኣላፊኑዎ? ስለዚ ኣሓስ ምስ ሓራዲአን ማይ ይሰትያ ከም ዝበሃል፡ ምስቶም ሓረድትኹም ኮንኩም ደም ኣሕዋትኩም ኣይትስተዩ። ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?

ታሪኽ’ውን ከም ምሩጽ ውላድ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እንተተሰጋጊሩ፣ ኣይሞተን ንብል። ከም ናትና ዝኣመሰለ ኣብ ብራና ምሩጻት ዜጋታትና ብክቡር ደም ዝተጻሕፈ ከቢድ ታሪኽ እንተዘይተሰኒዱን ናብ ወለዶታት እንተዘይተሰጋጊሩን ግን ሓደ ሞት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ዓሰርተ ሞት ኢዩ። ስለዚ ታሪኽና ቅርስናን መለለይናን ስለዝኾነ፣ ንዘለኣለም ከይመውት እንታይ ንግበር? ኩላትና ደቂ’ዛ ሓላል መሬት ኣበይ ኣሎ ሓውኻ ንበል!

እዛ ሎሚ እነስተማቕራ ዘለና ናጽነት ዋግኣ ቅርሽን ሽልንን ኣይኮነን። እዚ ከቢድ ዕዳ እዚ ኣብ እንግድዓ ነፍስ-ወከፍና ኣሎ። ኣብ እዋን ጥምጥም ንናጽነት ኤርትራ ዝነበረ ቅያ ተመሊስካ ኣብ እትዝክረሉ እዋን፤ ሓደ ሓደ ግዜስ ንምእማኑ’ውን የጸግም ኢዩ። ገለ ስድራ-ቤታት ምስ ሙሉኣት ደቃ ናብ ቃልሲ ተሰሊፋ ነይራ ኢያ። ‘ካብ ብሱል ጥረ’ ከም ዝበሃል ከኣ፤ ጥረ ዘይረኸበት፡ ድርብ ጥራይ ዘይኮነስ ድርብርብ ሞባእ ከፊላ፤ ፈጺማ ናብ ገዝኣ ዘይተመልሰት ስድራ’ውን ነይራ ኢያ እንተተባህለ ኣይተጋነነን።

ስለዚ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣንቱም /ኣንትን/ ምስዚ ኣማስይኡ ሰባት ኣጥፊኡ ዝጠፍእ ስርዓት ኣብ ቦሎኛ ንምኹዳ ትቀራረቡ ዘለኹም ኤርትራውያን፤ ጽባሕ ንግሆ ካልእ ጸሓይ ክትበርቕ ኢያ’ሞ ወይልኹም! እዚ መሰክሕ መቕዘፍቲን ጉዕዞ ንመቓብር ዜጋታትን ንከብቅዕ፣ እታ ረዚን ዋጋ ዝተኸፍላ ናጽነት፤ ሓርነት ክትወልድን ብቅዋማዊ መንግስቲ ክትጽንበልን ሕጂ ሱባኤ ንእቶ።

ነውሪ ሳዕሳዒት ኣብ ልዕሊ ሬሳታት!
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!!

 

 

 

 

 

ፍዳታት ግርጋ 20 ስኔ 2014 ኤርትራ ፋሪዕ እክባ ሙርቛ ብሊኑዅ ኤርትራ

ፍዳታት ግርጋ 20 ስኔ 2014 ኤርትራ
ፋሪዕ እክባ ሙርቛ ብሊኑዅ ኤርትራ

እና ግርጋ ኒን ዪና ገሽ ጃብራ መኸልትኖ ላሕመዲ ፍትሕዲሲ ከለብስኖ ገንደልኖ፣ ሕልነስ በበርኖ፣ ዪና ጉጉሲ ጠፍሕድናዅ ግርጋ ኣኽሮ ጨበርሰኵ። ደኮው እያማትል ወክት ሓርብ ጂብናሩዅል (መግዛእቲ) ለመለምል ገሪው ሻን ለብኑዅ። ንኪ ዪና ኮሊትል ናልድ በጃኸው ፍትሕ በኾርነድ ክረው ገሪው ግን። ኒን ደው ዪሮ ትክል በደልስሮ እና ታና 20 ስኔሩዅ ቲዃ ናሳሓድድ በርህድና ጀረብደኵ። 1950 ብርፍ ያኹ ጉግ ሆደሩዅ ከታ ዕላማ ሻኾ ፈርነዲን እና ናን ህንብናኹሲ እዃሮ ዋነት ናውክ ኤርእናዅ ግን። እና ደርብ ኒን ናጝር እምንድክ ሆደ ቆማታኹድ ሻክሰገን እምንዳዅ ኣኽሮ ኣኽላ። ኣዳም ኒ ዓዋዲዲ ኒ ጋብዲ ኒ ብረዲትልድ ሙኵድሰን ናው የናዅስክ እሳዅ ገንጂና ኣከኵ። ፍዳታት ዪነው ዪና ብራዲ ይና ሙርቛዲር ኤርደት ኣኽኖ ፍትሕዲ ላሕመዲ ነገስሮ ግን ናው ለብናዅ። እና ጉግ ኒስ ተብድና ግን ና ፊነስ እምድክ ቲዃ በርህድና። ናውክ ኤርትሪን ክሱሰንኻ ሙርቛ ብሊኑዅ ኒ ኤውርናሲ ወደቅዶ ጃቢትሮ ቀደረላ። ኤውርናርዲ ላሕመዲ ገቢለት ርድቕ ግን። እምነት፣ ዓዋዲ፣ ጋብ፣ ዲባ ሻኑኹ፣ ብራ፣ ኔን ሙርቑ ሰርጎ ግን። ሙርቋ ፋርዕ (ዲምክራስያዊ) ደርብ ቦሎቲክዅ እክብሰጘን (ውደብሰገን) ጠፍሓት ሻኽላ። ኒስ በኾረን ኒ ድዳ ግን። ዪን ብሊን ዪና ድዳ ዪነል ኣኽጊን ፈሀምንጝ ፈጠንጝ። ገነው ደርፍፍ ህግደፍቲ ኣዃሮረው ግን። ናት ድምና ኣትፋገርደው ኣኽላ። እና በዳን ወክት ሲ ሰዓርኖሉ ቀደርናዅ፣ ዪና ሙርቖድ እክብስኖ ላሕመድ፣ ለመለምዲ ክድመትድሲ ካያ ግን። ድርጛዅ ደርብ ተምኔትነዲ፣ ጨጚዕ ኤሪዉኹ ተክለብነዲ፣ ወረበስ ሓምስሮ፣ ኮሊት እና ናን ህንብራኹሊ ካያ ኣኽጚ ኒስጝ ጂባዅል ለብድና እንትጚን ፋሪዕ እክባ ሙርቛ ብሊኑዅ ኤርትራ ሰሄረቲ። እና ፍዳታት ግርጊል ዪና ላሕመዲ ዪና ናይዲት ሻኽኖ አሪ ጋባይልዲ ልፍናርድ ለመለም ዪኖ ቆል ቱንን።

ፍዳታት ዲምክ ኤልብስናው!!!
ና ኣፋይኻ ገፍትእስናው!!!
ፋሪዕ እክባ ሙርቛ ብሊኑዅ ኤርትራ

እምኒ ገበጣ!

እምኒ ገበጣ!

14 ሰነ 2014

“ዓሻስ እምኒ ገበጣ ክሳብ ዝውዳእ ይጻወት” ዝብል ምስላ ኣበው፡ ነዚ ሎሚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጉዳይ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ህግደፍ ይመሳሰል። ኣብ ዘመነ ኢሳይያስ፡ ከምቲ ንዝኣመነ ብሴፍ ንዝኸሓደ እውን ብሴፍ ዝበሃል፣ ዕሉም ብሂወት ክሳብ ዘሎ፡ ዝኣመነን ዝኸሓደን ኩሉ ክእሰርን ክጸንትን ኢዩ። ብፍላይ ድማ እቶም ካብ መፋርቕ 60ታትን ካብ በዓቲ ዓላን ኣትሒዞም ናቱ ምስጢራት ዝፈልጡ፡ ኣብ ሲቪላዊ ስራሕ ይሃልዉ ኣብ ሰራዊት፡ ሚኒስተር ይጸዋዕ ኣምባሳደር፡ ጀነራል ይሰየም ኮሎኔል፤ ትልኽ እናበለ በብሓደ ክጸጽዮም ኢዩ። ንሓደ ሰብ ናብ ጫፍ ጥርዚ ኣደይብካ፡ እንደገና ናብ ህጉም ምኽታቱ ውዒሉ ዝሓደረሉ ሕብራዊ ተዋስኦ ኢዩ። ዝግ ድሕሪ ዋንጫ!
ኢሳይያስ፡ መስትያት ኣብ ቅድሚኡ ምስ ኣቐመጠ ንነፍሱ ይፈልጣ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝጥርጥሮ እውን ኣጸቢቑ ይርደኦ ኢዩ። ስለዚ ኢዩ ከኣ፡ እንተተመሰለሉ ስልጣኑ ንወዱ ንምውራስ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ ግዜ፡ ቀዳምነት ብድሕሪኡ ምስጢር ዝበሃል ክተርፍ የብሉን ዝብል ሕቡእ ኣጀንዳ ዘለዎ፤ ከም ካልኣይ ጉዳይ’ውን ጽባሕ ንግሆ እሕሕ ዝብል ድምጺ ደቀባት ናብ እዝኒ ወዱ ክስማዕ የብሉን ካብ ዝብል እከይ ውዲት፤ ቅንጸላ መመሊሱ ክዓቢ ኢዩ። ብዙሓት ንሕቡኣት ምስጢራት ኢሳይያስ ዝፈልጡ ዝነበሩ ምስጢራቶም ተገኒዞም ሓሊፎም ኢዮም።

ገለ ውሑዳት እውን ኣብ ደገ ኣለዉ፤ ካብኣቶም ከኣ “ምስጢራትና ሒዝና ኢና ንቕበር” ዝበሉ ኣይተሳእኑን። እዚ ስለምንታይ ይኽውን? ንኣዳም ገረሞ ኢዩ። ቤተ መዘክር’ኳ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ደኣ’ምበር ኣብ ንየዋይ ዓለም ከም ዘሎስ ዝረኣዮ ሰብ የለን። ኢሳይያስ ብሰንኪ ዘይስምረትና፡ ኤርትራዊ ዓሌት ናይ ምጽናት ስርሑ ይሰርሕ ኣሎ። ድምጽና ከም ኣሳትያ ኣኽላባት ክሳብ ዝኾነ ከኣ፡ ክሳብ ዕለተ ዕርበቱ ደም ሰባት ክሰቲ’ዩ።

ኣብቲ ንሱን መስትያትን ገጽ-ንገጽ ዝጠማመቱሉ መድረኽ፡ ቀዳማይ ጸላኢኡ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ይፈልጥ ኢዩ ኢሳይያስ። ስለዝኾነ ኢዩ ድማ ኣቐዲሙ ቤት ጽሕፈቱን መንበሪኡን ናብታ ከም መንገዲ ጻጸ ብሓንቲ ጽርግያ ጥራይ እትእቶ ወደብ ባጽዕ ዝገበሮ። መታን ስኽፍ ከይብሎ’ውን ንደቀባት ተቐማጦ ባጽዕ ብመኾስተር ጉሒፍዎም ኢዩ። ኢሳይያስ ንገዳይም ሓለውቱ ኤርትራውያን እውን ኣይኣመኖምን! ቀስ ብቐስ ንዕኡን ንኩሉ ኣገዳሲ ትካላቱን ዝሕልዉ ኣባላት ደምህት፡ ብፍላይ እውን ብታሕቲ ታሕቲ ደቂ ተምቤን ኣብ ምቁጽጻር ጸጥታ ኤርትራን ኣብ ምርመራን ምርሻንን ዜጋታትን ፍሉይ መፋትሕ ይህቦም ከም ዘሎ ካብ ኣዒንቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣይተሰወረን።

እቶም ኣብዚ ግዜ’ዚ ብሰክዔት ፊሊጶስ ዝህደኑ ዘለዉ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ብኣባላት ደምህት ኢዮም ዝእሰሩ ዘለዉ። እታ ኣብ ትሕቲ ፊሊጶስ ብቀጥታ ተመዲባ ትኣስር ዘላ ጋንታ ደምህት ከኣ፡ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት ይኹን ፖሊስ ኤርትራ ኣይፈልጣን ኢዩ። እህህህህም! ኤርትራዊ ዓሻ ላልማየ-ላሎ! እናደረፈ እንከሎ፣ መስታህብል ድማ ብዛዕባ ቅዋም የደናግር። ከምቲ መሬት ከብዲ ኣድጊ ጸኒሓ ቂሐ-ጽልሚ ትኸውን፤ እቲ ብድሕሪ መጋረጃ ተሓቢኡ ዘሎ ውዲት “ትግራይ ትግርኚ” እውን ውጥም-ቅልቅል ምባል ጀሚሩ ኣሎ። እነሆ እዚ በርቂን ነጎዳን “ትግራይ ትግርኚ” ባዕሉ ይዛረብ ኣሎ። ‘ማይ መጸ በየን መጸ፣ ብጎዳጉዲ’ ከም ዝበሃል ድማ፡ ሰርቢ ዳግማይ ጥፍኣት ደቂ ኤርትራ ንክወርድ ኣዒንትና ናብ ሰማያት ንጠምት! እቲ ዘገርም፡ ኣዝዩ’ውን ዘደንጹ ኣብ ደገ ካብ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኢሳይያስ ብብሩህ መንገዲ ዝኸዶ ዘሎ ዘይሰማምዕሉ ሰባት ምህላዎም ኢዩ።

ኩምራ ሰራዊት ደምህት ኣብ ኤርትራ፡ ዕርቡን ንዳግማይ ጥፍኣት ህዝቢ ኤርትራ ኢዮም። እዞም ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰራዊት ደምህት፡ ኣንጻር መን ይቃለሱ ኣለዉ? ዋልቃይት’ዶ ጸቢቡዎም መሬት ጸገዴ! ተከዘ’ዶ ርሒቑዎም ጎላጉል ዳንሻ! ደጊም ኣንቱም ደሓን ኣለና እትብሉ ዘለኹም፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለኹም ገዳይም ተጋደልቲ ንእሽቶ ዝተረፈት ጩራ እንተላ፡ ከይቀደመኩም እንከሎ ሎሚ ገለ ግበሩ። ዓሻ እምኒ ገበጣ ክሳብ ዝውዳእ ይጻወት፡ ከምዚ ናትኩም ዝኣመሰለ ዕንክሊል ኢዩ ዝመስል። ብውሑዱ’ኳ ንሂወት ደቅኹም ኣውሕሱ።

ኩልኻ ገዲም ተጋዳላይ፡ ካብ ዓላ ክሳብ ብሌቓት ዝተዓለምካን ብዝተፈላለዩ ሓላፍነት ትሰርሕ ዝነበርካን፣ ምስጢራትን ገበናትን ኢሳይያስ እትፈልጥ ዘበልካ ተራኻ ቀሪቡ ከም ዘሎ ፍለጥ! ኣብ ቅድሚ ኢሳይያስ ኩሉ ኤርትራዊ ሚኒስተር ይኹን ጀነራል ሮታመ ኢዩ።ተር ከም ዓተር! እምበኣር፤ ኣብ ቀረባ ሪጋ መስርዕ ሒዝኩም ከም ዘለኹም ፍለጡ። ኣብ ቀረባ ግዜ ብዙሓት ኣብ እትናብለ ኢሳይያስ ፎቶሪኖታት ዝነበሩ ሰብ ባሊቃ ከም ዝስዕቡ፡ ኣከያይዳ ስርዓት ህግደፍ ይነግረና ኣሎ።

ሜጀር ጀነራል ዑመር ጠዊል ብድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ናይ ገዛ ማሕዩር፡ ናብ 2ይ መደበር ፖሊስ ከም ዝተኣስረ፣ እንደገና’ውን ብ/ር ጀነራል ፍጹም ገብረሂወት (ወዲ መምህር) ተኣሲሩ ዝብል ውዑይ ዜና ሰሚዕና ኣለና። ካልኦት ሓደ ደርዘን ዝኾኑ ኮሎኔላትን ሌተና ኮሎኔላትን’ውን ናብ ዳስ ሓውያ ይቕጽሉ ኣለዉ። ‘ንገረብ ብሓኽላ’ ከም ዝበሃል፡ ሎሚ ኢሳይያስ ንዘጥፍአ ምስ ኣጥፍአ፤ እታ ሰባብ በትሪ ዲያብሎስ ንጀነራል ፊሊጶስ ኢዩ ኣረኪብዎ ዘሎ። ብኢደ ዋኒኑ ንምጥፍኦም ኣጸጊሞሞ ንዝነበሩ ደቀባት ከኣ ሕጂ ብጀነራል ፊሊጶስ ገይሩ “ቾፕ-ላ” ክብሎምን ክጸጽዮምን ኢዩ። ኣብቲ ኣብ መንጎኡ ፊሊጶስን ኣብ መንጎ ውጩን ዝነበረ ህልኽ፡ ኣብ ጎድኒ ውጩ ዝነበሩ መኮንናት ምክልኻል፡ ኣማሓደርቲ፡ ነጋዶ፡ ወ.ዘ.ተ… ደበና ጥፍኣት የንጸላልወኩም ኣሎ’ሞ ወይልኹም! በብሓደ ክቕፍደኩም ምዃኑ ከኣ ከይደቀስካ ዝተሓልመ ሓቂ ኢዩ።

ከምቲ ንምኽልካል ሬሳ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ምስጢራት ኣምሊቑ፤ ከምኡ እውን ንስርሒት ፎርቶ፡ እስላማዊ ምንቅስቓስ ኢሉ ብድሕሪ ምጥቃኑ ነቶም ቀንዲ ዓንገልቱ ዓብደላ ጃብርን ሙስጣፋ ኑር ሑሴንን ዘጥፍኦም፡ ሓደስቲ ንምእሳርን ምቕንጻልን ዝተረፉ ገዳይም እውን እታ ናይ 03 ወረ እትጥሕን ፋብሪካ ከም ብሓድሽ ተወቒራ ስራሓ ክትቅጽል ኢያ። ‘ዓሻስ እምኒ ገበጣ ክሳብ ዝውዳእ ይጻወት’ ደጊም ከምዚ ናታትኩም ብሂወትኩም፡ ብዕድል ሃገርኩምን ብመጻኢ ደቅኹምን ምጽዋት ይመስል።

ምእሳር፡ ቅንጸላ፡ ምስማም ወ.ዘ.ተ ናይ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ገዳይም ፈለጥቲ ምስጢራት ኢሳይያስ፡ ገና ካፋ ኢዩ ዘሎ፤ መቃነዪ ኢንፍዩዥን እንተረኺቡ ከኣ ኣልማማ ናይ ምእሳር ዳግማይ ማይ ኖህ ዘይተርፍ ኢዩ። ስለዚ ‘ኣይላጸን ዝበለ ቁማል ይብልዓዮ’ ኢዩ ነገሩ፣ ሰበስልጣን ህግደፍ ጸሓዮም ክትዓርብ እናረኣዩዋ፣ ካብ ወጋኢት ላም’ውን ኣየድሕኑን ኢዮም። ብውሕዱ’ኳ ነብሶምን ስድራ ቤቶምን ከድሕኑ ዘይክእሉ ብደዎም ዝተማረኹ ዳንደታት ኢዮም።

እምበኣርከስ፡ ኣንታ ሚኒስተር፡ ኣንቲ ሚኒስተርን ኣማሓዳሪትን፡ ኣንታ ጀነራልን ኮሎኔልን ኣንቱም ኣማሓደርቲ ዞባታትን ንኡሳን ዞባታትን ብድሕሪ ምጽጻይ እቶም ሓዋርያት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበሩ ጉጅለ 15፣ ከምኡ’ውን ዓሊ ሰይድ ዓብደላ፡ መሓመድ ስዒድ ባረ፡ ወልደንኪኤል ገብረማርያምን ኮሎኔል ዓብደልራሕማን ጃስር፣ ድሒሮም ዝተቀንጸሉ ጀነራላት ኣማኑኤል ሃንጀማን ቫይናክን ገዲም ተጋዳላይ ደሱን፡ ምእሳር መሓመድ ዓሊ ዑማሮን ገና መመሊሶም ዝስዕቡ ዘለዉ ተጋደልቲን፤ ምጾታትኩም ይቀራረብ ከም ዘሎ ኢዩ ዘርድኣኩም ዘሎ።

መቓብር ሓርበኛታት ቀይሕ ሓመዳ ጋሊሃን ኣፋ ሃህ ኣቢላን ትጽበዮም ዘላ ገለ ስሙማት ከኣ ኣብ ሱዳን ማጨሎት ይሕጸቡ ኣለዉ።
መናወራ! ንይምሰል፡ ገልጠምጠምን ተኽሊጥን ይግበር ኣሎ። ‘ስብሓት ዝመጽኣካ መዘዝ ኣይትስሓት’ ኢልና ኢና’ኮ። እነሆ ድማ ግሩም ተዋስኦ! ስብሓት ናብ ተራ፡ ፊሊጶስ ናብ እራራ ደየበ። ገና እታ ገበጣ ካልእ ጸወታ ከተርእየና ኢያ። ምምዛዝ ወልደንኪኤል ኣብራሃ ናብ ሓድሽ ስማዊ ሚኒስተር ከኣ ናይ ነገር ጣቋ ኣይኮነን። ኩሉ ሚኒስተርን ጀነራልን ምስ ተቐጥዐ፤ ኢሳይያስ ፉንቲ ኮይኑ ንክተርፍ ዝተሃንደሰ ውጥን ግን ምልኽኻም ከም ዘስዕብ ንግምት። ምቕናይ-ምቕናይ ከም ዝበሎ ደራፋይ፡ ደጊምሲ ገለ ጉድ ክንሰምዕ ኢና።

ኩሉኹም መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራ /እስላምን ክርስትያንን/ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣፋፊ ኩነታት፡ ከምቲ ኣርባዕተ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ዝወሰድዎ ተባዕን ሃገራዊን ስጉምቲ ንምውሳድ ሎሚ ብተኹ። ሃገር ደጊም ዝተረፋ የለን! ናበይ ኢዩ ክወስዳ ዝደሊ ዘሎ ኢሳይያስ? ከኣ መመሊሱ እናበርሀ ይኸይድ ኣሎ። ከምቲ ‘ጻመውከ ለከንቱ’ ዝብል ጽሑፍ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ኩሉ ዝኸፈሎ ደም፡ ናብ ደመ-ከልቢ ገጹ ይኸይድ ኣሎ።

ብዘይካ ንኢሳይያስ እምኒ ዳዊት ምንጽጻር፡ ማጨሎት ይኹን ብሕሩድ ምጅላጥ ጥዕና ዝህብ ኣይኮነን። እሞ እንታይ ኢና ክንሰምዕ? ናብታ ገሃነብ ቤት ማእሰርቲ ኢሳይያስ መን ይቐጽል! መቓብር ጸጸራት ከ ናይ መን ዕንባባታት ንምርኣይ ኢያ ክትጽበ?

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!!

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!