ክኢላታት ሕጊ ሽወደን፣ ንኢሳይያስ ኣፈወርቅን ሰበ ስልጣናቱን ዝርከብዎም መንግስቲ ኤርትራ ብገበን ከሲሶሞም

ክኢላታት ሕጊ ሽወደን፣ ንኢሳይያስ ኣፈወርቅን ሰበ ስልጣናቱን ዝርከብዎም መንግስቲ ኤርትራ ብገበን ከሲሶሞም

ክኢላታት ሕጊ ሽወደን፣ ንኢሳይያስ ኣፈወርቅን ሰበ ስልጣናቱን ዝርከብዎም መንግስቲ ኤርትራ ብገበን ከሲሶሞም ኣለዉ። እቲ ገበናዊ ክሲ ብዘማሓላለፍዎ ናብ ፖሊስ ሽወደን ዝቐረበ ብመረሰት ናይ ዳዊት ኢሳቕ ኩነታት ሂወት ኣስጋኢ ከምዘሎ ተበግሶ እኳ እንተኾነ፡ ብሓፈሽኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽምዎ ብዘለዉ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተኸሲሶም ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ዝጽውዕ’ዩ።

እቶም ክኢላታት ሕጊ ናብ ፖሊስ ሽወደን ኣብ ዘቕረብዎ ወግዓዊ ክሲ እዚ ኣብ ሽወደን ንመጀመራያ ዝቐርብ ዘሎ ብምዃኑ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ኣብ ልዓሊ እዞም ሰበስልጣናት መንግስቲ ኤርትራ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ናይ ፕረሲደንት ተሓባባሪ ቤት/ጽሕፈት የማነ ማንኪ፡ ናይ ወጻኢ ሚንስተር ዑስማን ሳልሕ፡ ናይ ምክልዃል ሚንስተር ስብሓት ኤፍረም፡ ከምኡውን ሚኒስተር ሰብኣዊ መሰል ሶፊያ ሓሽም ዝርከብዎም ኣብ ልዕሊኦም ክሲ፡ ኣብ ሽወደን ጥራይ ጥራሕ ኮይኑ ከይተርፍ መታን ንኣብ ካልኦት ሃገራት ንዝርከቡ ሰበ ስልጣን ከይተረፈውን፡ በዞም ሰበስልጣናት ኤርትራ ፈጺሞሞ ብዝብሃል ገበናት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንኽሕተትሉ ዝዓለመውን እዩ።

በዞም ኪኢላት ሕጊ ሽወደን ቀሪቡ ዘሎ ክሲ፡ የሱስ ኣልካሌ፡ ፐርሲ ብራት፡ ፕሪስካ ኡርሶነኣው፡ ዘቕረብዎ ክሲ ከም ሻሙ ሰማዒ ጥራይ ኮይኑ ክተርፍ ዘይኮነስ፡ ኣብ ግብራዊ ዝኾነሉ ሕጋዊ ባይታ ተጣጢሑ ከምዘሎ፡ ብዜናዊ ማዕከን ብዘይ ዶብ ዝፍለጥ ምስ ናይ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዘካየድዎ ጸብጻብ ይጠቕሱ።

ሃገራውያን ሰበስልጣናት ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዝፍጽምዎ ገበናት፡ እዚ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ገበን ዝፈጸመ፡ ኣብ ሽወደን ቅድሚ ሕጂ ስጉምቲ ምውሳድ ኣይተፈተነን። ሕጂ ግን ንመጀመርያ ግዜ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ሕጊ ካብ ወርሒ ሸውዓተ ብፈረንጂ ዕለት 1/7/2014 ጀሚሩ ኣሎ። ናይ ሽወደን ቤት/ፍርዲ ገበናዊ ሕጊ ብዘጽደቖ ዓንቀጽ ኣብ ልዕሊ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ገበን ዝፈጸመን፡ ንምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝተሓባበረን መኖም ብዘየገድስ ሓፈሻዊ ዘጣቓለለ ፍጻሜታት፡ ናብ ፖሊስ ሽወደን መንግስቲ ሽወደን ክካታተሎ ኣማላሊፍዎ ኣሎ።

ድቂ ሃገር፣ ዓገም ንበል ንግብሪ ፋሺስቲ ፈስቲቫል በሎኛ!!!

ድቂ ሃገር፣ ዓገም ንበል ንግብሪ ፋሺስቲ ፈስቲቫል በሎኛ!!!
ጋዜጣዊ መግለጺ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ፣7/2/2014

ከተማ በሎኛ ኣብ ታሪኽ ጸረ ፋሺስቲ ጣልያን ይኹን ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ታሪኽ ዘለዋ ከተማ’ያ። ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓለም ብዓለማ ጸማም እዝኒ ሂባ ከላ በሎኛ ሳላ ሙዑታት ሃገራውያን ተቓለስቲ ኣፍደጊኣ ብረሒብ ዝኸፈተትልና ከተማ’ያ። ህዝብታት ኤርትራ ካብ ሓምሽተ ኮንትነንት ዓለም ነቂሎም ብዛዕባ ቃልሲ ሃገሮም ከዕልሉን ክፈልጡ ዝነበሮም ኣበርክቶ ህዝቢ ከተማ በሎኛን ፖሎቲካውያን ውድባትን ብኣኽብሮት ክዝከር ክነብር’ዩ። ፈስቲቫል በሎኛ ክጅመር ከሎ ውሑዳት ሃገራውያን ዝጀምርዎ’ዩ። ምስ ግዜ ግን ህግሓኤ ናይ ስለላ ማሓውራት ብምውፋር ጠቒሊላ ቢሒታ፣ ፖሎቲካውን ፕሮፓጋንዳን ቑጠባውን መኽሰባት ድማ ሓፊሳትሉ። ብሓፈሻ ኣብ ኤውሮጳ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሃገረ ጣልያ ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ተሪኽካ ዘይውዳእ ተወፋይነት ምስ ብረታዊ ቓልሲ ዝዳረግ መተስተንክር ዝኾነ ሃገራዊ እጃም ዝፈጸሙሉ ቦታ’ዩ። ምስ እዚ ኹሉ ናይ ህዝብ ተወፋይነት ግን ብዓይኒ ፋሽስቲ ኢሳይስ ፈስቲቫል በሎኛ ናይ ቁጠባ ምንጪን ፋሺስታዊ ባህሉ ዝንህዝቢ ዝዝጋሓሉ መደብ’ዩ ዝነበረ። እዚ ፈቲቫል ካብ ዝጅምር ሕቶ መሰልን ፍትሕን ከም ዛዕባ ብርትዓዊ ኣገባብ ናብ ህዝቢ ኣውሪዱ ኣይፈልጥን። ኣጀንዳታቱ ኩሉ ብላዕሊ ተውዲኡ ዝመጽእ ናይ ኣምሰሉታት ትያትር’ዩ ዝነበረ። ቀንዲ ዕላማኡ ጃህራን ፈኸራን ባህሊ ፋሺዝም ዘዕንብብ ኮይኑ ”ግንባር ኣሎኒ ኣብ ህግሓኤ ዝወደበኒ” ዝብል ጭርሖ ሒዙ ሰብ ከይሓስብ ማዕጾ ዝዓጸወ መሳርሒ’ዩ ዝነበረ። ”ግዜ ውቤ ዝጸመመ ዝባን ውቤ ክብል ነበረ” ከም ዝበሃል ከኣ እቶም ሽዑ ዝጸመሙ ሃገሮም ክዓኑ ውላዶም ኵሊቱ ክሽየጥ ኢሳያስ ደው ይበለና ዝብሉ ኮይኖም ኣለው። ኣየስተዉዕሉን ኮይኖም እንበር ባምዕጾ ተደፊኦም ወጺኦም ብፊኔስትራ ዝኣተዉ’ዮም። ነዚ ገባር ቅያ ዝነበረ ሓፋሽ ውድባት ዝተወደበ ሓይሊ ንፋሺስቲ ስርዓት ህግደፍ ሓደጋ ስለ ዝኾነ ቀቅድሚ ነጻነት ብዘይ ውድባዊ ኣገባብ ”ደስኪልኩም” ኢሉ ጸልጺልዎም’ዩ። ንቁሩብ ቁራቦ ዝኾኑ ኮራኹሩ ከኣ መተካእታ ታጋደልቲ ገይሩ ኣብ ስልጣን ኣምጺእዎም። ብዙሓት ኣዴታት ሃገር ጣልያን ኤህ ክብላ መይተን ገለን ኣብ ስቓይ ይነብራ ኣለዋ። ህግደፍን ሓፋሽው ድባትን ገለ 18 ዓመት ገለን 30 ዓመት ውድባዊ ጉባኤ ከይገበራ ናይ መናፍስቲ ውድባት ኮይኑ ኣለዋ። ነዚ ጥልመት’ዚ ቀንዲ ዝፈልጡን ዘተማቀርዎን ኣባላት ህግሓኤ’ዮም። ከም ዝረኤናዮ ድሕሪ ነጻነት ንፈስቲቫል በለኛ መተካእታ ተባሂሉ እቲ ዶላር ከይተርፎ ኣብ ከተማ ኣስመራ ክግብር ጸኒሑ። እንተኾነ ቃልሲ ሓፋሽ ብውሽጥን ብደገን እናሓየለ ምስ መጸ ተቓዋሚ ሓይሊ ንፈስቲቫል ምኽንያት ብምግባር ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ከተማ ኣስመራ ክይውላዕ ስለ ዝፈርሐ ንሳዋ ከም ዝወርድ ተገይሩ። ልክዕ ከምቲ ናይ ልዕሊ ተማሃሮ ዩንቨርስቲ ኣስመራ ዝወሰዶ ስጉምቲ ካብ ከተማ ከም ዝርሕቁ ገሮሞ። ከም ድልየቶም ገንዘብ ክእክብ ህዝቢ ከታልል ስለ ዝጸገሞ እነሆ ሎሚ ከም’ቲ መራሒ ፋሺስታዊ መንግስቲ ኤርትራ ”ማይ እንተዘየሎ ኣብ ቦታ ማይ ኪዱ” ከም ዝበሎ ኣብ ኤርትራ ዶላር ስለ ዝጠፍኤ ዶላር ክደሊ ነዚ ብቃልሲ ህዝቢ ዝወረዶ እገዳ ከኣ እንተ ኣልዓሉሉ ህዝቢ ዝድግፈኒ ኣሎ ክብልን ንዉሽጢ ዘሎ ህዝቢ ብፕሮፓጋንዳ ንምድሃልን ዝጠፈሸ ነጋዳይ ናይ ኣቡኡ ደብተር ይፍትሽ ከም ዝበሃል በለኛ ዘኪርዋ ዘይፈልጥ ክዝክራ ጀሚሩ ኣሎ።

ክቡር ህዝብና፣
ፈስቲቫል በለኛ ድሕሪ ላፓዱሳ ሓዘንን ቁስልን ኣብ ዓመት ዘይመልእ ግዜ ይግበር ኣሎ። መንእሰያትና ጉቡእ ሓመድ ኣዳም ከይረኸቡ ቤተሰቦም ረሳ ደቆም ከይተቀበሉ ጋይላን ዳንከራን ምግባር ሃገራዊ ሓዘን ስለ ዘላና ብባህልና ውጉዝ’ዩ። እዚ ባህላዊ ሸነኽ ኮይኑ ፖሎትካዊ ሸነኹ ስለምታይ በሎኛ ሎሚ ኣድለየ፣ ናይ 10 ወይ ን20 ወይ 30 ዝብል ተበግሶ ስለምታይ ቅድም ዝይትገብረ ኢልና ምስ ንሓትት መልሱ ንኹልና ብሩህ’ዩ። እቲ ሓፋሽ ውድባት ህግሓኤ ይኹን ንህግሓኤ ዝተክኤ ህግደፍ ”ብሽም” ጥራይ ህላውየ ኣለዎ። ኣባላቱን መራሕቱን ተቀቲሎም ገለ ከኣ ኣብ ቤት ማሰርቲ ይሳቐዩ ኣለዉ። መን ደኣሉ ነዚ ፈስቲቫል በሎኛ ሎሚ ክግብር ዝደልዮ እንተበልና እቶም ምስ ፋሺስቲ ዝወገኑ ነዚ ፋሺስቲ ከም ቀደም ብጃህራን ፈኸራን ልቢ ሰብ ኣሕቢጦም ንፋሺስታዊ ስርዓት ዕምሪ ክውስኹሉ ዝሓስቡ ሓዋርያታት ጥፍኣት’ዮም።

ክብር ህዝብና፣
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ”ኣበይ ኣሎ ሓውኻ” ዝብል ሓተታን ትምህርትን ለበዋን ሓቂ ዝዘርዘረ መልእኽቲ ኣርባዕተ ኣቡናት ካቶሊካውዊት ቤተክርስትያን ነቢብና። ብዙሓት መራሕቲ እምነት ብዓቢኡ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ንዚ ሰርዓት ዘይብሉ መንግስቲ መንፈሳዊ ተግሳጽ ስለ ዝገሰጸጹ ካብ ስልጣኖም ኣውሪዱ ኣዋሪዱ ኣብ ቤት ማኣሰርቲ ደርብዩዎም ኣሎ። ስደት ከም ምፍትሒ ሽግር ኮይኑ ህዝብና ሃገሩ ሓዲጉ ይጠፍእ ኣሎ። ኣብ እስራኤልን ናይ ባሕሪ ምዝራይን ንሰምዖ ኣሎና።

ሃገር ናይ ኩሉ ዜጋ’ያ። ዜጋ ሓዉን እምነቱን ሃብቲ ሃገር ክዝመት ከሎ ዓይኑ ዝዕምት ዝገደደ ከኣ ዝጣቕዕ ምስ ዝኸውን ሕሰምን መከራን ናይ ህዝብና ክገድድ’ዩ። ህዝቢ ካ’ዚ ረብሓ የብሉን። ሃገራዊ ጉቡኣትና ኩልና ንልፍልፎ ኢና ኣብ ግብሪ ግን ኣይግድን። ሸምዓ ሰማእታት ንዉልዕ ቀኒና ሕድሪ ሱዉኣትና እንታይ ከም ዝነበረ ዝጠፍኣና ኣይመስለናን ስለ’ዚ ዓገብ ንበል። ሎሚ ብፍላይ ነዚ ገበነኛ መንግስቲ ሸለል ንብለሉ መድረኽ ኣይኮነን። ንበሎኛ ንሕጅን ንሓዋሩን ክቀብጻ ክንገብሮ ይጋባእ፡ ካብ ዘዘላናዮ ሃየ ንተዓጠቅ። በሎኛ ንፍሽሽታውያን ኣይናትኩምን እያ ንብረሎም።

ሰማእታትና ሕድሮም ብግብሪ ይዘከር!!!
ፋሺስታ ኢሳይስ ዕምሩ ይሕጸር!!!
ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ፣7/2/2014

 

ኣብ እስራኤል ሖሎት ኣብ ዝተባህለ ክፉት ቤትማኣሰርቲ ኣስታት 1200 ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት፣ ፍሉይ ሰላማዊ ሰልፊ ናብ ዶብ እስራኢልን ግብጽን የካይዱ ኣለዉ

ኣብ እስራኤል ሖሎት ኣብ ዝተባህለ ክፉት ቤትማኣሰርቲ ኣስታት 1200 ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት፣ ፍሉይ ሰላማዊ ሰልፊ ናብ ዶብ እስራኢልን ግብጽን የካይዱ ኣለዉ።

ናይ እግሪ ጉዕዞ ንልዕሊ ሰዓትን ፈረቓን ብምድረበዳ ተጓዒዞም ናብ ዶብ እስራኢልን ግብጽን ገማግም ሲናይ ብምምራሽ እቲ ተጻዒኑዎም ዘሎ ማእሰርቲ ክለዓለሎም ብዓቢኡ ድማ ከም ስደተኛታት ተሓሪሙዎም ዘሎ ናይ ዑቕባ መሰል ክሕለወሎም ዝጽውዕ ፍሉይ ሰላማዊ ሰልፊ እዩ ዘካይድዎ ዘለዉ።

እቶም እሱራት ኣቐዲሞም ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ሖሎት ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ምክያድ ምጽንሖም፣ ነቲ መዓልታዊ ንሰለስተ ግዜ ዝካየደሎም ቁጽጽርን ወይ ፎልዮንን ካልእ ኣተሓሕዛን እቲ ቤት ማእሰርትን ንምቅዋም ዝገበርዎ ኣቐዲሙ ይፍለጥ።

ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ትካላት ግብረ ሰናይን’ውን ጎን ጎኖም እናተጓዕዛ ንኩነታቶም ይከታተላ ምህላወ ተፈሊጡሎ። መንግስቲ እስራኤል ብወትሃደራት እናዓጀበ ኩነታቶም ክከታተሎ እኳ እንተጸንሐ፣ ናብ ሲናይ ከይኣትዉ ክኽልክሎም ጀሚሩ ኣሎ። ዶብ ግብጽን እስራኤል ዝበጽሑ ስደተኛታት ናብ ሲናይ ገጾም ክቑርጹ መደብ ኳ እንተነበሮም፣ ወተሃደራት እስራኤል ግን ዓጊቶም 300 ሜትር ንድሕሪት ተመሊሶም ክስለፉ ከምዝሓበሩዎም ይሕበር።

 

 

ንዓመታ ኣብ ኤርትራ 2ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ንዓመታ ኣብ ኤርትራ
2ይን ናይ መወዳእታን ክፋል
28 ሰነ 2014
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ሓቀኛ ታሪኽ’ዚ፣ “ፍቕሪን ብጻይነትን፤ ፍቕሪን ሓያል ዕላማን። ናይ ሜዳ ፍቕሪ፣ መርዓን መስዋእቲን ጉዳም ኢዩ። ክልቴኻ ኣብ ሓደ ኣሃዱ ትምደበሉ ግዜ’ውን ብዙሕ ኢዩ። ኲናት እናክጽዕጽዕ ኣብ ክንዲ ናይ ገዛእ ርእስኻስ ናይ ኣፍቃሪትካ ሂወት ይርኣየካ። እቲ ምንታይ ፍቕሪ፣ ስለ ፍቕሪ ጥራይ ስለዘይነበረ።” ብዝብል ሕጡበ-ጽሑፍ ኢና ተፈላሊና።

ናይ መወዳእታ ክፋሉ እነሆ፤
ንኣዲኡ ጸሃይቱ’ውን ነቲ ግጥሚ “ብሃና” እትብል ደርፊ ኣሰንዩ ኣብ ካሴት ቀሪጹ ኢዩ ሰዲዱላ። ካብቲ ብዛዕባ ብኲናትን ጸበባን፤ ምፍልላይን ምንፍፋቕን ዝተፈራረቐ ትዝታ ፍቕሩ ዝጸሓፎ ግጥምታት ዝተረኽበ እነሆ፦

ኣበባ…ኣበባ … ኣበባየ
ዎ… ኣበባ
ኣቡቺ!
ኣበባ’ዶ ኣይኮነን መጸውዒ ስምኪ
‘ሃየ’ባ በልኒ ከም ኣመልኪ
ካን’ዶ ክኢልክዮ ኣጽቂጥኪ ምድቃስ
ተኣርኒበን ኢድኪ ርእሰይ ካብ ምድህሳስ።

ካበይ ኣምጺእክዮ ናይ ጭካነ ልቢ
መን’ዩ ሓቢሩኪ ናይ ሓዋሩ መዕለቢ።

ን ህ ላ ዌ ይ!!! ንህላዌና…
ንህላወ ክብርቲ ሃገርና
ንራህዋን ፍትሕን ህዝብና…

እንተተነጻጽርዮ ናይ ቀደምን ሎሚን
ለኪምክኒ ምኸድኪ ኢለ’የ ዝኣምን
እንታይ ክተርፈሉ ብድሕሬኺ
ምስ መን ክዛረብ ብዘይካኺ
ንብዓተይ… እወ’ቲ ከም ማይ ሓምለ
ብለይቲ ጃሕ-ጃሕ በለ
ብቐትሪ ንውሽጢ ከብደይ ገማጠለ
ጥዑይ ይመስል’ምበር ተጸሊለ።

መርድእኪ ሰማዕኩ’ሞ ሕልናይ ሞተ
ኣብ ቢንቶ ብ’ዓረዛ’ዩ ወርሒ ኣርባዕተ
ዕለት 18 ንግሆ ሰዓት ትሽዓተ።

ብጋህዲ ኣይነገሩንን ተሰዊኣ ኢሎም
ግን ክመዝኖ ጸኒሐ ጥንቃቐ ቃላቶም
ኣበባ ከምዚ ኢላ… ዝነበረ ልምዶም
ምስ ምስንባትኪ ጥርቅም ኢላ ኣፎም።

ናይ መጨረሻ መርድእኪ ዝሰማዕኩሉ ከባቢ
ኣብቲ ናይ ዘየለዉ ዘበለ ዕጥቂ መአከቢ
ዕጥቆም ንከለልዩ መማጽእተይ ውጉኣት ነበር
ክሻታት ዕጥቂ ክፍትሹ ወጸ’ቲ ቁም-ነገር።

መጀመርያ ካብቲ እሳር መሰስ ዝበለት
ነገር ዝዓደመት ክፉፍኪ ደኣ ኮነት
ወይዛ ክፉፍ ፈገር
ምሳኺ’ኸ ዘይትቕበር
መን’ዩ ክዓጥቃ እንታይ ኢያ ክትገብር?
መስዋእትኺ ክትነግር
ዓወት ተረኺቡለይ ያኢ
መሰስ ትብል ከም ምሩጽ ዘርኢ
ወይ ብስክሊት እንቋዕ ኣይትርኢ
ንብዓተይ ብዕትሮ ሓዘነይ ብገንኢ።

በታ ታርጋ ዕጥቅኺ
ፈለጥኩኺ ኣለለኹኺ።

ተቢዐ ናይ መን’ያ ኢለ ክሓትት
ብኳሬንቲ ከም ዝደንዘዘ ተኾርመኹ ኣብ መሬት
ኣይተጠራጠርኩን ፍጹም ኣይሰጋእኩን
ሂወትኪ ከም ዘብቅዐ ደጊመ ኣይሓተትኩን።

ንምትራፍ ንስኻ’ባ ንስኺ’ባ
ከም ዘይተበሃሃልና ኣብ ሓደ ሩባ
ስእሊ ሒዝካ ካብ ምትራፍ ኣድሕነኒ
ኣማን ብኣማን ኣምላኽ ወጺዑኒ ።

ኢሰያስ ንኣዲኡ ብደብዳቤ ናብ ድግድግታ ክትመጾ’ኳ እንተሓተታ፣ እዋኑ ጸላኢ ባጽዕ ንምምላስ ብሙሉእ ዓቕሙ ናይ ሞት ወይ ሕየት ኲናት የካይድ፤ ጅግና ተጋዳላይ ድማ ባጽዕ ንምዕቃብ ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ዓሪዱ ብጽንዓት ዚከላኸለሉ ዝነበረ ግዜ 1990 ብምንባሩ፣ ኣብቲ ኩነታት እቲ ንወዳ ክትረክብ ስለዘይከኣል ኣይተበገሰትን።

ካብ ባጽዕ ናብ ዓዲ-ቀይሕ ዘራኽብ ጽርግያ ሩባ ሓዳስ ተሰሪሑስ ዓዲ ቀይሕን ሰገነይትን ናጻ ምስ ወጸ ግን ጸሃይቱ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዝተፈልየቶም ቤተ-ሰባን ዓዳን ከምኡ’ውን ንወዳ ክትርኢ ኢላ ተበገሰት። ኣብቲ ግንባር ምስ በጽሐት ኣቀባብላ መራሒ ክፍለ ሰራዊት 52 ስዒድ ፈረጅ ደስ ኣይበላን። “ቅድም ክርእየኒ ከሎ በየን መጺእኪ ኢሉ ዝሕጎስን ወጃዕጃዕ ዚብል ዝነበረን ብዛዕባ ወደይ ዘጻውተኒ ዝነበረን፤ ዘረባ ኣቋሪጹ ዝን ምስ በለ፣ ብዛዕባ ኢሰያስ ወደይ ኣይሓተትኩን።

ጸሃይቱ ‘ወደ’ውን ተሰዊኡ ኢዩ’ ኢላ ስለዝገመተት፣ ኣበየናይ ቦታን በየናይ ዕለትን ከም ዝተሰውአ ንከተረጋግጽ ናብ ቤት ጽሕፈት ክፍለ ሰራዊት 52 ከደት። ሓሰን ንዝበሃል ተጋዳላይ ብላዕሊ ኮይና፣ መስዋእቲ ወዳ ከም እትፈልጥ ነገረቶ። መዓስን ኣበይን ከም ዝተሰውአ ከኣ ሓተተቶ። “ክድዓትን ሕማቕ ታሪኽን ናይ ወደይ እንቋዕ ኣይሰማዕኩ’ምበር ተሰዊኡ ምስ በሉኒ ተሓቢነ እየ።’’ እናበለት ደጋጊማ ተዛረበቶ።

“በሊ …’’ ኢሉ ዘረብኡ ጀመረ ሓሰን። “ብሓቂ ጌርናዮ ኣይንፈልጥን ኢና። ንስኺ ግን ጽንዕቲ ኣደ ኢኺ። መስዋእቲ ኢሰያስ ንዓኺ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንውድብ’ውን ዓቢ ክሳራ ኢዩ፣’’ ኢሉ ብ 8 ነሓሰ 1990 ኣበይን ብኸመይን ከም ዝተሰውአ ገለጸላ። ሽዑ ጸሃይቱ “ከም ወላዲት ወደይ ክፍለየኒ’ኳ እንተዘይደለኹ፣ መስዋእቱ’ውን ሎሚ’ዶ ጽባሕ እናበልኩ ይጽበዮ ስለዝነበርኩስ ኣይሰንበድኩን። ከብደይ ገጥ ኢሉ፣ ኣነ ምስኡ ኣብ ሜዳ ስለዘለኹ’ምበር እቶም ካልኦት ስድራ ድኣ እንታይ ኢዮም ክብሉ? ንኹሎም ስዉኣት ዘኪረ ድማ ኣይነባዕኩን። ኢሰያስ ኣብ ዱሮ ዓወት ኢዩ ተሰዊኡ፣ ካብቶም ቅድሚኡ ዝተሰውኡ ንሱ ይሓይሽ ኢለ ተጸናናዕኩ።’’ እወ! ንወላዲ ስዉእ፡ ኣምላኽ ኢዱ የንብረሉ!! ዝሓለፈ ምስ ሓለፋ ከኣ፡ ንዓመታ ኣብ ኤርትራ ክንራኸብ ኢና።

ብድሕሪ’ዚ ሓሰን ደብዳቤ ሂቡ ናብ ሓለፍቲ ኮር ንክትከይድ ሓበራ። “ምስ ከድኩ ወዲ ስሑል ኣደ ኢሳያስ ምዃነይ ስለዘይፈለጠ ተቐቢሉኒ እምበር እቶም ካልኦትሲ ረርእዮሙኒ ኢዮም ሃዲሞም። ኮኮል መጺኡ ነታ ሓሰን ዝሃበኒ ቡስጣ ምስ ሃብኩዎ ነቢዖም። ሓቃቶም! ኣነ ግን ጨካን ኮይነ ድየ ኢለ ንነብሰይ ሓተትኩዋ። ንብዓት ኣይመጸንን፣ መዓናጦይ ዝሕልሕል ክብል ግን ተፈሊጡኒ” ትብል።

“ንመጀመርያ ግዜ ኢና ንሓንቲ ኣደ ወድኺ ተሰዊኡ ኢልና ንነግር ዘለና፣ ጽንዓትኪ ስለዘተባባዓና ኢዩ።’’ ኢሎም ከኣ ሙሉእ ታሪኽ ሂወት ወዳን ጅግንነቱን ተወፋይነቱን ዘርዚሮም ኣዕለሉዋ። ካብ እመት ስድሪ ኣላታ ግን ቦታ መስዋእቲ ወዳ ሓንሳብ እምባ ክብርቲ፣ ሓንሳብ ድማ ኣብ ሕክምና ማዕረባ ምስ በጽሐ ተሰዊኡ ዝብል ዘረባታት ምስ ሰምዐት፣ ከም ወላዲት መጠን ንከተረጋግጽ ኣብ ሰገነይቲ ንዝነበራ ኣዲኣ መንቀሊኣ ከይነገረት፣ ክዛወር እየ ኢላ ናብ ማዕረባ ከደት።

ኩላቶም ዝፈልጡዋ ደሃይ ወዳ ከይትሓትት ረርእዮማ ስለዝተሓብኡ ግን ዝቕበላን ዘዕልላን ሰኣነት። “ዓቕለይ ምስ ጸበበኒ ንጓል እገ ብሰብ ጸዊዐ ከም ትረኽበኒ ገይረ።’’ ጓል እገ ጸሃይቱ በየን ከም ዝመጸት ስለዘይፈለጠት “ኢሰያስ ወድኺ ኣሎ ኣይተሰውአን፣ መን’ዩ ተሰዊኡ ዝብለኪ’’ ብምባል ከምቲ ኩሉ ተጋዳላይ ዝገብሮ ዝነበረ መግናሕቲ ዝተሓወሶ የእምን’ዩ ዝበለቶ ዘረባታት ኣስመዓታ። ከም ዝተነግረት ምስ ኣዕለለታ ግን፣ ንሳ’ውን ነብዐት።

ዝወደቐላ ታባ ከርእዩዋ’ሞ፣ ነታ ታባ ንመዘከርታ ክትስእላ ኣጥቢቓ ለመነቶም። ጽንዓታ ስለዘተባብዖም ድማ ነታ ታባ ጥራይ ዘይኮነስ መቓብር ወዳ’ውን ኣርኣዩዋ። “ቅሰን’ዚ ወደይ ናብ ኣፍደገ ዘብጻሕካዮ ዓወት ኣነ ኣዴኻ ክዛዝሞ’የ!’’ ብምባል ድማ ንዝዓጠቐታ ካላሽን ናጽነት ኤርትራ ከይተረጋገጸ ንከይትፈትሕ ኣብ ልዕሊ መቓብር ወዳ ኮይና መሓለት።

ብድሕሪ ናጽነት ኣስከሬን ናይቶም ኣብ ግንባር ደቀምሓረ ዝወደቑ ሰማእታት ኪእከብ እንከሎ፣ ጸሃይቱ ንኣስከሬን ወዳ ኢሰያስ ባዕላ ኢያ ኣውጺኣቶ። ነቶም ዝተረፉ ተጋደልቲ ደቃ ሒዛ ናብቲ መቓብር ብምኻድ፣ መቓብር (ኣስከሬን) ሓዎም ርእዮም ንዝወደቐላ መሬት ንክከላኸሉላ ቃል ኣእትያቶም። ኣብቲ ግዜ እቲ ኢሰያስ “ተጋዳሊት’’ ኢሉ ስም ጓል 18 ዓመት ሓብቱ፣ ጸሃይቱ ንሽክና ኢሰያስ ሒዛ ምስ ረኣየታ፣ ሕማቕ ተሰሚዑዋ በኸየት። “ኣይትንብዕለይ… ኣስከሬን ወደይ ባዕለይ እየ ዘውጽኦ’’ ብምባል ጸሃይቱ ኣስከሬን ኢሰያስ ወዳ ባዕላ ኣውጺኣ ምስ ኣስከሬን እቶም ካልኦት ጀጋኑ ሓወሰቶ።

ካብ መስረትቲ ህ.ሓ.ሓ.ኤርትራ ስዉእ ተጋዳላይ ኣብርሃም ተወልደ “ጽንዒ! ምስጢር ዓቅቢ…ንኩሉ ሽግራት ሓሊፍና ክንዕወት ኢና፣ ንሕና ክንስዋእ ኢና፤ ዳሕረዎት ግን ሰላም ኪረኽቡ ኢዮም” ዝበለኒ ወትሩ ኣብ ልበይ ስለዘላ፣ ደቀይ ጅግንነት ናይቶም ቀዳሞት ብምውራሶም ብዕልልታ ቀቢረዮ’’ ትብል ሓርበኛ ጸሃይቱ።

ኢሰያስ ኣብታ ኣበባ ዝተሰዋኣትላ ዕለት፣ ወርሒ – ወርሒ ዝክረ ሰማእታት ገይሩ ጾሙ ንክውዕል ኢዩ መደቡ። ጀሚሩዎ ድማ ነበረ። እንተኾነ ንሱ’ውን ከምቲ ኣበባ “ጽቡቕ ኣይገድፈልካን’ዩ በሰላ ፍቕርና፣ እናዘመርካ ጥራይ ኣርክበኒ… ደርፊ ሃና… ሃና!’’ ኢላ ዝተላበወቶ፣ ነታ ኣበባ ዝተሰዋኣትላ ራብዓይቲ ወርሒ’ውን ብሓንቲ መዓልቲ ቀዲሙዋ፤ ድሕሪ ሰለስተ ወርሕን ዕስራን ትሽዓተን መዓልታትን ኣርኪቡዋ።

ሓወልቲ ኣብ ልብና!
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!
28/06/2014
ንዓመታ ኣብ ኤርትራ ክንራኸብ ኢና

 

መንግስቲ ኖርወይ ን 500 ኤርትራዊያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ይፍትን ኣሎ

መንግስቲ ኖርወይ ን 500 ኤርትራዊያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ይፍትን ኣሎ

መንግስቲ ኖርወይ ን 500 ኤርትራዊያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ላዕለዋይ ል ኡኽ ናብ ኤርትራ ብምል ኣኽ ምስመንግስቲ ኤርትራ ንኽሰማማዕ ይፍትን ኣሎ፡ ነዚ ኣመልኪታ ዶክተር ናዝሬት ኣምለሶም ን SBS/Tigrinya ሓበሬታ ሂባ ኣላ፡