ትማሊ ኣብ በይ ኤርያ ናይ ብሓቂ ስዉእ ተዛሪቡ

ትማሊ ኣብ በይ ኤርያ ናይ ብሓቂ ስዉእ ተዛሪቡ

በይ ኤርያ ከምቲ ዝሓለፋ ዓመታት ሕጂውን መሪሕ ተራ ንምጽዋት ነዛ ታሪካዊት ዝኮነት ፈልም ’ስውእ ተዛሪብ’ ንምእንጋድ ካብተን መጀምርያ ዝሓተታ ከተማታት ሓንቲ እያ። ’ስውእ ተዛሪብ’ ብህብባት ስነጥበባውያን ዝተዋስእዋ ታሪኻዊትን እዋናዊትን ናይ ፋልማይ ፈልም መከራ፡ ገድሊ፡ መስዋእቲ ህዝቢ ኤርትራ ክጥለም ከሎ እተሪኢ አብ ታሪኽ ኤርትራ ድሐሪ ናጽነት ካብ ዝተሰርሓ ፈልምታት እታ ናይ መጀመርታ ምኾና እዩ። እዛ ብህብቡ አርቲስት ፍኣድ ኣልኣሚን ተደሪሳ ዝተኣልየት ፊልም ብ ኣብ ሰደት አብ ኢትዩጵያ ብዝርከቡ ገና ሩፍ ከይበሉ ድሕሪ ላምፓዱሳ እንታይ ከይተርፈና ብምባል ኣብ ጎኒ ህዝቦም ብሙኾን ድምጺ ውጽዕ ከቃልሑ ዝመረጹ። ብምትሕብባር ዓርቢ ሓርነት ድማ ኣብ ፍርያት በጺሓ።

እቲ ናይ ፊልም መደብ ብኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ በይ ኤርያ ካሊፎርንያ (ዳዕሮ) እዩ ተዳልዩ። ኣባላት ሓይሊ ዕማም ናይቲ መደብ ዝኾኑ ኢሰያስ ስዩም፡ ንግስቲ ጎይተኣኦም፡ ፋጥና ስይድ፡ መስፍን ስንቀን ለማ ኣድሓኖም ብሙኾን ብኣላይነት ኣባል ቦርድ ዮናስ ወልደሚካኤል እዩም ነቲ መደብ ኣዳሊዮሞ። ተቀማጦ ብይ ኤርያ አብ ሰዓቶም ምስ በጹሑ ባኣለይቲ መደብ ዕላማን መልእክትን ናይቲ መደብን ፊልምን ንተዓዘብቲ ድሕሪ ምሕባር እዋናዊት ዝኮንት ግጥሚ ብ ኣባል ቦርድ ዝኾነት ፍረወይኒ ድሕሪ ምቅራባ ብወግዒ ናይ ፊልም ምዕዛብ መደብ ንኣስታት ሰዓትን ፈረቓን ኣቢሉ ቀጺሉ።

ፊልም ስውእ ተዘሪቡ ነዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ካብ ሰረትእምነት ሰማእታትናን ባህጊ ህዝብናን ኣዝዩ ዝርሓቐ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ብንጹር እትገልጽን እተንጸባርቕን ናይ መጀመርታ ታሪኻዊት ፊልም እያ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እዛ ካብ ትጅምር ክሳብ ትውድእ ኣብ ዛራ ንብዓትን ሓሳባትን እትሸመካ ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ሃግርና ፍሉይ ቦታ ዝህልዋ ስነ ጥበባዊት ፍርያት ንሃገራውንትን ተወፋይነትን ህዝቢ ኤርትራን መእሰያትን ብንጹር እትገልጽ ብ ኹሉ ኤትራዊ ንታርኽ ክትውነን ዘለዎ ሰንድ ምዃናውን በዚ እጋጣሚ ብዘይ መግናን ክምስከር ይከኣል እዩ።

ድሕሪ ምዝዛም ናይቲ ፊልም እቲ ኣብ ባሕሪ ታሪኽ ሃገርና ጥሒሉ ዘስተንትን ዝነበረ ተሳታፋይ ብኽልተ ካብቶም ካብ ሓይሊ ዕማም ናይቲ መደብ ዝኾና ንግስቲን ፋጥናን ዝቐረበ መበገሲ ወፈያ ነቶም ስነጥበባውያን ናይ ምሕጋዝ ቅዱስ ሓሳብ ብቕጽበት ብምቕባል ሽዑ ንሽዑ ኩሉ ካብ $500 ክሳብ $20 ዶላር ዝበጽሕ ናይ ገንዘብ ወፈያ ብምብርካት ኣብ ወሽጢ 15 ደቓይቕ ዘይመልእ ግዜ ልዕሊ 4800.00 ዶላር ከወፍዩ ኪኢሎም። ብዘይካዚ ካብ መእተዊ ልዕሊ 1100.00 ዶላር ተኣከበ። ተሳተፍቲዊን ሓሓንቲ ዲቢዲ ንመዘከርታ ክትኮኖም ሒዞም ከይዶም። ገለ ተሳተፍቲዊን ነቶም ነዛ ታሪካዊት ፊልም መጺኦም ዘይረኣይዋን ነቶም ኣብ ገዝኦም ኾይኖም እንዳሰምዑ ዘስቅጡ ዘለዉን ክንሸጦሎም ኣለና ብምባል ዝዓቕሞም ክሸጡ ወሲዶም።

እቲ ትማሊ ሰንበት ዝነበረ መደብ እንበርእር ስዉእ ናይ ብሓቂ ዝተዛረበ እንበር ብምንገዲ ስነጥበብ ዝተዛረበሉ ኣጋጣሚ ኣይኮነን ዝነበረ። ንሕድሪ ሰማእታትና ዘኪርናን ኣኽቢርና፡ ንሃገርና ካብዚ ዘላቶ ታኼላ ምልኪ ንምድሓን ክንጓየ ሃገራውን ታሪኻውን ሓላፍነት ከምዘሎና ከኣ ፍሊም ስዉእ ተዛሪቡ ጸቡቕ ጌራ ቀስቂሳትናን ኣዘኻኪራትናን ኣላ።

 

ዘልእለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታት ኤርትራ!
ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ በይ ኤርያ ካሊፎርንያ

 

 

 

 

 

 

 

ኢድ ሸናሒት ጸናሒት ዑማሮ እውን ኣርኪቡ!

ኢድ ሸናሒት ጸናሒት ዑማሮ እውን ኣርኪቡ!
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ 03/05/2014

ኣብ ዘመነ ኢሳይያስ፡ ከምቲ ንዝኣመነ ብሴፍ ንዝኸሓደ እውን ብሴፍ ዝበሃል፣ ዕሉም ብሂወት ክሳብ ዘሎ፡ ዝኣመነን ዝኸሓደን ኩሉ ክእሰርን ክጸንትን ኢዩ። ብፍላይ ድማ እቶም ካብ ታት ኣትሒዞም ናቱ ምስጢራት ዝፈልጡ፡ ኣብ ሲቪላዊ ስራሕ ይሃልዉ ኣብ ሰራዊት፡ ሚኒስተር ይጸዋዕ ኣምባሳደር፡ ጀነራል ይሰየም ኮሎኔል፤ ትልኽ እናበለ በብሓደ ክጸጽዮም ኢዩ። ንሓደ ሰብ ናብ ጫፍ ጥርዚ ኣደይብካ፡ እንደገና ናብ ህጉም ምኽታቱ ውዒሉ ዝሓደረሉ ድራማ ኢዩ።

ሙሉእ ትሕስቶ….
PDF: ID SHENAHIT

 

መቀሌ በለውጥ ጎዳና

መቀሌ በለውጥ ጎዳና

እስከ ተዓዘቡ ንሕና ኤርትራውያን ኣበየናይ ዓለም ንቡር ሂወት ነሕልፎ ኣለና። ነታ ንቡር ሂወት ንምሕላፍ ዝተነፈገና ህዝቢ ብሓደ ውልቀመላኺ ኢሰያስን ኮራኩሩን።

ዘይቀንእ ኣይወለድ እዩሞ ናይ መቀሌ ምዕባሌ ጎደና ቅድምን፡ ሕጂን ተመልከቱ፡ ኢሰያስ ከኣ ምስጢራዊ ሕልሙ እዚዩ ።

ኢሰያስ ኣፈውርቂ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ብደይ ናይ ሜዳ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ገዲፍካ፡ ን23 ዓመት ስልጣን ሒዙ ሃገር ካብ ዝመርሕ ንኤርትራ ሃገርና እንታይ ገበረላ፡ ኣድማዓዶ ዋላስ ዓዕነዋ? ፍርዲ ንተዓዛባይ።

ሕቡእ ኣጀንዳ ኢሰያስ ይፈዳሕ

ሰራም ተማጓቲ ኢሰያስ ከምቲ ካልእ ኤርትራዊ ዜጋ ስለ ህዝቢ ኤርትራ ኢሉ ሰሪሑ ኣይፈልጥን። ኢሰያስ ብኢድ ኣዝውር ንትግራይ ምዕባሌን፡ ግን ከኣ ጸረ ትግራይ ኣምሲልካ ንህዝቢ ኤርትራ እንዳዳኸመ እዩ ዝጓዓዝ ዘሎ። ኢሰያስ እቲ ናይ ኤርትራውያን ኣታሓሳስባን፡ ኤርትራዊ ትኩርነትን ሚዛናዊ ብመጠኑ ልዑል ምዕባሌ ዝጸንሐ ን10ታት ዓመታት ኣፍሪስካ ብባርነት ኣደንቊርካ፡ ነቲ ናይ ህዝቢ ትግራይ ትሑትነት ምዕባሌ ቀይርካ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ብምዕባሌ ጸብለልትነት ንምርኣይ ናይ 23 ዓመት ግዝኣተ ባርነት ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ብረቂቓዊ ሜላ ዝጥቀመሉ ዘሎ መደብ ሕቡእ ኣጀንድኡ እነሆ ዝሰርሓሉ ዘሎ እዩ።

እስኪ እስተብህሉ፡

ኣብዚ ውሽጢ 23 ዓመት ኤርትራን ትግራይን ሚዛንኩም እስከ ኣዛምድዎ። ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ዓይነት ሂወት የሕልፎ ኣሎ?
ህዝቢ ትግራይ ከ እንታይ ዓይነት ሂወት የሕልፉ ኣለዉ?
መኖም እዩ ኸ ንቡር ሂወት ናብ ጎደና ምዕባሌ ዝኸይድ ዘሎ ካብዞም ክልቲኦም ኣህዛብ?
ህዝቢ ትግራይ ንምዕባሌ ይስስኑ፡
ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ይባድን ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ፡ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ፡ በጺሖሞ ዘለዉ ምዕባሌ እስከ ተመራመሩ። ኢሰያስ ወግሐ ጸብሐ ወያኔ ወያኔ ኢሉ ተለፍለፈ ይመስለኩምዶ ብሓቒ ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ተላዒሉ ከምስል እንተንቀደ።

ኢሰያስን ሓለፍቲ ናይ ወያኔን ብምስጢር ዋላዳኣ ነዚ ናይ ኢሰያስ ዝገብሮ ዘሎ ምስጢራዊ ኣጀንዳ ስምምዕ ያሃልዎም ኣይሃልዎም፡ ኢሰያስ ግን ናይ ኤርትራውያን ኩቱር ጽልኢ ኤርትራዊ ምዕባሌ ክርእይ ስለ ዘይደሊ፡ ንኤርትራዊ ኣደንቊሩ ብምዕባሌ ትሕቲ ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ አዩ ክርእይ ዝደሊ።
ኣስተውዕል ኤርትራዊ ዜጋ ተባራበር ኣይትታሃመል።

ንካልኣይ ግዜ እዩ ዝጻሓፍ ዘሎ ንምዝኽኻር ዝኣክል፡

 

 

ናብ ፍትሒ ጉየ …

ናብ ፍትሒ ጉየ …

ሓደ ካብቶም ኣብ ከተማ ቦስተን ዝነብር ናይ ፌስቡክ የዕሩኸይ: ኣብ ማራቶን ቦስቶን ኤርትራዊ መቦቆሉ ይመርሕ ኣሎ ዝብል ጽሑፍ ምስ ኣውጽአ: ኣብ ቦታ ስራሐይ ኮይነ: ነቲ ውድድር ላይቭ ተኸታቲለዮ:: ዋላ’ኳ ከም ኣመሪካዊ ይወዳደር: እታ ሕደ ትገብረና ኤርትራዊ መቦቆል ትብል: ናይ ስጋ ስለ ዝቐንጠወትኒ: ከምቲ ቐደም ውድድር ብሽክለታ ክርኢ እንከለኹ ዝገብሮ ዝነበርኩ: ሓንቲ ዘይምልእ ክንሰይ: “ሓላባይ” ክብል ጎሮሮይ ተሓርሒሩ ገዛይ ዝምለሶ ዝነበርኩ: ኣብ መንበር ስርሐይ ኮይነ ሓፍ ኮፍ በልኩ:: ምስ ተዓወተ ድማ: መሳርሕተይ እንታይ ኮይኑ’ዩ እዚ ክሳብ ዝብሉኒ: ዓው ኢለ ብታሕጓስ ጨዲረ:: እዚ ነዞም ኤርትራ ኣብ ዜና ዓለም ክትመጽእ እንከላ ዝለመድናዮ ዘሕዝን ዜናታት መብረ ዝኸውን ብስራት: ሞራል ብዙሓት ሓፍ ከብል ዝኽእል ኢለ ገመትኩዎ:: በዚ ድማ: ንኻልኦት እንድዒ: ንዓይ ግን ቁሩብ ባህ ኢሉኒ ቀንዩ::

እዚ ግን: ነቲ ዝደገፍኩዎ: ጎያያይ ንኣምባሳደር መላኺ ኤርትራ: ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓቚፉ ዝተሳእሎ ክሳብ ዝርእይ’ዩ:: ስፓርት ካልእ: ሕልና ካልእ ምዃኑ ድማ: መሊሱ ነጸረለይ:: እቲ ጎያያይ ክንዲ’ቲ ዝፈተኹዎ ፍጊዕ ኢሉኒ:: ከም ኣመሪካዊ እንተተወዳዲሩ: ምስ መላኺ ስርዓት ዘጸጋገዖ ምርጫኡ እምበር: ከምቶም ካልኦት ዘመኻንዩዎ: ፓስፖርት ምርካብ: ኣይኮነን:: ምስ ወለደይን ኣሕዋተይን ካብ ወዲ 12 ዓመት ጀሚረ ኣብ ኣመሪካ እየ ዝነብር ስለዝበለና: ወለዱ ናይ ምብጻሕ ጸገም ዘለዎ’ውን ኣይመስለንን:: በዚ ኾነ በቲ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝረኽቦ ካብ ኣመሪካ ዘይረኽቦ ነገር ዘለዎ ኣይመስለንን:: እቲ ዘሕዝን: በቲ ብዘይከሓድ መንፍዓቱ ዝረኸቦ ዝና: ጸገም ኤርትራውያን: ናብ ዓለማዊ መድረኽ ከውጽኦ እናኸኣለ: ምስ ወከልቲ ምልኪ ክስኣል ምምራጹ እዩ:: ክንደይ ደቆም ዝተኣሰሩዎም: ክንደይ ኣሕዋቶም ዝተጸገሙዎም: ክንደይ ብእምነቶም ዝተኣስሩ: ክፍትሑ ጉዳዮም ናብ ባይቶታት ዓለም ንክቐርብ: ኣብ ጉዳያት ስደተኛታት ካብ ላምፐዱዛ ክሳብ ዮርሳሌም (ሆሎት) ለውጢ ዓቕሙ ክገብር ምኸኣለ:: ኣብ ጉዳያት እሱራት ፍትሒ ካብ ኣደርሰር ክሳብ ዒራዒሮ ጸቕጢ ከገብር ዘኽእል ሚዛን ረኺቡ ክንሱ: ትም ኢሉ: ኣጽቂጡ ዘይኮነስ: ምስቶም ወጻዕቲን ፈጠርቲ እዚ ሽግርን ብምውጋን ሕሱር ምርጫ መሪጹ:: የሕዝን ድማ::

ዝኸበርካ ጎያያይ: ኣብ ምዝዛም ጉያኻ: ስም ፈጣሪ ደጋጊምካ ስለዝጠቐሰካ: ካብ ቅዱስ ጽሕፍ ሓደ ጥቕሲ ከዘክረካ::
“በዚ ጊዜ እዚ ስቕ እንተ በልካስ፡ [ንኤርትራውያን] ሓገዝን ሃራን ካብ ካልእ ቦታ ኺመጽእ እዩ:: [ምናልባት] ንከምዚ ንዝበለ እዋን ናብ [ዝና] መጺእካ እንተክነይርካ፡ መን ይፈልጥ።”

ንስኻ ግን ነቲ ቦታ ኣይበቓዕካዮን:: ዘሕዝን ኣዋድቓ ወዲቕካ:: እዚ ሓደ ተራን ትሑትን ዘረባ ካብ ተራ ሰብ ናብ ሓደ ዓቢ ክብሪ ዝረኸበ ኦሎምፒካዊ ስፓርተኛ እዩ:: ዋጋ’ውን ዘይክትህቦ ትኽእል ኢኻ:: እቶም ዝሓቖፍካዮም ዘይኮኑስ: እቶም ሓቀኛ ዋናታት እቲ ዘበጻሕካዮ ቤት ጽሕፈት ነዚ ጽሑፍ ስለዘንብቡዎ ግን ኣነ’ውን ዋጋ ዘይሃብካዮ ኢለ ኣይስከፍን:: እቲ ብዛዕባ ፈጣሪኻ ዝበልካዮ ግና ሓቂ ዩ ኢለ ስለዝሓስብ ካብ ትም ዝብል ክኹሕክሓካ ኢለ ይደግመልካ::

ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ድማ: ነስተብህል:: እዚ ጸላእቲ ንምብዛሕ ኣይኮነን:: ከም ሓቂ: ካብ ፈታዊ ንላዕሊ ብ ዓወቱ ዝተሓጎስና ሓውና ዝመሰለና ሰብ እዩ:: የግዳስ: ብዛዕባ ቃንዛና ኣውሮጳን ኣሜሪካን ካልኦት ርሑቕ ዝሃገሮም: ዝመቦቆሎምን ዜግነቶምን እናጠራዕናን: እናፈለጡዎን: እቲ ከማና ተመሳሳሊ መቦቆል ኣለኒ ዝብል ከመይ ኢሉ ይስሕቶ:: እንተዘይሰሓቶ ግን ድማ እናፈለጠ ጌጋ ምስ ዝመርጽ’ከ: እንታይ እዩ እጀታና:: ትም ኢልካ ምጥቓዕ? እቲ ተጣቕዓሉ ዘለኻ: ምስ ጸላኢኻ እናወገነ ከምዘይርኣኻ ምዃን? ወይሲ ዓው ኢልካ ተጋጊኻ ምባል ?

እዚ ዝጽሕፎ ዘለኹ: ብዙሓት ባህ ከይብሎም ይኽእል’ዩ:: ከመይ ኢልካ ከምኡ ትጽሕፍ ኢሎም ስኽፍክፍ ዝብሎም’ውን ክህልው ምዃኖም ይርድኣኒ እዩ:: ኣነ ግን ከምቲ ደጋጊመ ዝብሎ: ሰብ ንኸሐጉስ ዝገብሮ ነገር የለን:: ምረጹኒ ኣዋጽኡለይ’ውን ይብል የለኹን:: ኣብ ሃገር ድልየትካ ተዛሪብካ ዘይትስከፈሉ ስለዘለኹ እታ ዘላ ኣብኣ እንከላ ይህበኩም:: እቲ ምርጫ – ጣቕዒት ምቕጻል ድዩ: ንግጉይ ምምካር  – ናትኩም እዩ::

ኣነ ግን ” እንተኾነ: ደሃይ ዝጠፍኡ ዘለው ኣሕዋትካ ምገበርካ: እተዘይኮነ ትም ምበልካ: ወኪል መላኺ ክትሓቁፍ ምምራጽካ ግን ዓቢ ጌጋ ተጋጊኻ: ናብ ልብኻ ተመለስ: ካብ ሕጂ ኣብ ጉያ ማራቶን ዘለካ ዕምሪ ካብ ሕጂ ነዊሕ ከምዘይኮነ ንስኻ’ውን ትፈልጥ ኢኻ: ስለዚ ካብ ሕጂ ንንዮ ዘለካ ዕምሪ ናብ ፍትሒ ክትጎዪ ሕሰብ::

 

ቢኮ

 

 

 

 

ዓቢ ሰልፋዊ ጉዕዞ ንድሕነት ህዝቢ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ

ዓቢ ሰልፋዊ ጉዕዞ ንድሕነት ህዝቢ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ

ሃገርና ኤርትራን ሰፊሕ ህዝባን ኣብ ትሕቲ ሕሱም ምልካዊ ጭኮና ይሳቐዩ ኣለዉ። መንእሰያት ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ባርነታዊ ኣገልግሎት ተቖሪኖም ኣብ ዘለውሉ እዋን፣ ካብ ባርነት ንምምላጥ እግሮም ናብ ዝመረሖም ናብ ስደት የምርሑ ኣለው። ኣብ ዶባት በቲ ሕሱም መግዛእታዊ ስርዓት ክህደኑን ክቕተሉን አንከለው፣ እቶም ካብ ሞት ድሒኖም ንስደት ዘምርሑ መንእሰያትን፣ ኣዴታትን ቆልዑን ድማ ኣብ መንገዲ ስደቶም ዘስካሕክሕ ሓደጋታት የጋጥሞም ኣሎ። ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን፣ ተራእዩ ዘይፈልጥ ናይ መጭወይትን ፣ ብሓጺንን ሓውን ምቕጥቃጥን ፣ መቕዘፍትን ፣ መቕተልትን ፣ ኣብ ዕዳጋ-ኣካላቶም ተቖራሪጹ ክሽየጥን፣ ብቤተ-ስቦም 30 -50 ሽሕ ዶላራት ናይ ስልባ/ራንሶም ገንዘብ ክኸፍሉን፣ ምስ ከፈሉ እውን ዳግም ክሽይጡን ከም ኣቕሓ ክልወጡን ይግደዱ አለው።

ኣብ ፈቐዶ በረኻታት ጎረባብቲ ሃገራት፣ ኣብ ሲናይ፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ጎዳጉዲ እናተጨፍጭፉ ስርዓታት ናይቲ ዝርከቡሉ መሬት እናረኣዩን እናሰምዑን ክንሶም ንምድሓኖም ዝወሰድዎ ስጉማታት ዳርጋ የሎን ክበሃል ይከኣል። ኣብ ዓለምና፣ ግደፍዶ ናይ ኣሽሓት ሰባት፣ ናይ ሓደ ሰብ መጭወይቲ ምስ ዘጋጥም ዝወሃቦ ቆላሕታን፣ ንምድሓኑ ዝግበረሉ ጻዕርታትን ኣብ ቅድሚ ዓይንና ኣብ ንርእየሉ ዘለና እዋን፣ ኣሽሓት ኤርትራውያንን ኣፍሪቃውያንን ግን ዝግባእ ቆላሕታን ናይ ምድሓኖም ጻዕርታትን ይረኽቡ የለውን።

ነዚ ኣብ መላእ ህዝብና ብሓፈሻ፣ ኣብ መንእሰያትን ኣዴታትን ቆልዑን ድማ ብፍላይ ዝወርድ ዘሎ መከራን መቕዘፍትን ግቡእ ቆላሕታ ረኺቡ ንምድሓኖም ኩሉ ዝምልከቶ ኣህጉራዊ ትካላትን መንግስታትን ማሕበራትን ንምኩሕኳሕ ብህጹጽ ግዲኦም ንኽገብሩ ዝጠልብ – ዓቢ ሰልፋዊ ጉዕዞ ንድሕነት ህዝቢ – ዓርቢ 23 ግንቦት 2014 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ክካየድ ተዳልዩ ኣሎ።

እዚ ዓቢ ሰልፋዊ ጉዕዞ ንድሕነት ህዝቢ፣ ንድሕነት መንእሰያት፣ ንድሕነት ኣዴታትን ቆዑን ዝዓለመ ኮይኑ፣ ኣብ ሕምብርቲ ዋሽንግተን ዲሲ፣ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዋይት ሃውስ ተበጊሱ ናብ ቦታ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ካፒቶል ሂል ክምርሽ እዩ። እብ ቀጽሪ ባይቶ አሜርካ/ ካፒቶል ሂል መልእኽታቱ ንመላእ ሰበስልጣን እሜሪካን ንመላእ ዓለምን ከመሓላልፍ – ኣውያት ግዳያት ምልክን፣ መጭወይትን፣ ምቕዘፍትን፣ መሸጣ ኣካላት ሰብነትን ክስምዕ፣ ሰልፈይናታት ከም ዜጋታት ናይ ነጻ ሃገራት ኣብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ደቅናን ዝወርድ ግፍዒ ኣባና ዝወርድ ዘሎ ግፍዒን መቕዘፍትን ምዃኑ ክርኢ፣ ከምቲ ንኻልኦት ዜጋታት ናይ ዓለምና ዝውሃቦም ንኤርትራውያንን ኣፍሪቃውያን ግዳያት ህጹጽ ቆላሕታ ክረኽቡን ንምድሓኖም ህጹጽ ጻዕርታት ክግበረሎም ክጠልብ እዩ።

መንእሰያትና ካብ ዝወርዶም ዘሎ ኣስካሕካሒ ግፍዕታትን መቕዘፍትን ንምድሓን፣ መላእ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያንን ኩሎም ፈተውቲ ኤርትራን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብዚ ዓቢ ሰልፋዊ ጉዕዞ ክሳተፉን፣ ብዘየዋላውል መንገዲ ናይ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ግህሰታትን ግፍዕታትን ኣብ ርእሶም ዝወርድ ዘሎ ግፍዒን ግህሰትን ምዃኑ ንኹሎም ዝምልከቶም መንግስታትን፣ ትካላትን፣ ማሕበራትን ክጠልቡ፣ ግዳያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ይጽውዑና ኣለው።

ዓቢ ሰልፋዊ ጉዕዞ ንድሕነት ህዝቢ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ 23 ግንቦት 2014