ፈሊጥና ንኹን ከይፈለጥና ደቂስና ኣለና!

ፈሊጥና ንኹን ከይፈለጥና ደቂስና ኣለና!

ኣቦዋት ክምስሉ እናፈለጠ ዝሞተስ እናሰመዐ ቅበሮ ኢዩ፡፡ ብዘይ ቀልዓለም ንሕና ኤርትራውያን ሎሚ እናፈለጥና ኢና ንመውት ንጠፍእ ንበታተን ዘለና፡፡ እቲ ድሕረይ ዋላ ሳዕሪ እውን  ኣይትብቆላ ብምባል ሱር መሰረትና ሓግሒጉ ከጥፍኣና ዘንቀደ ኢሳይያስ ድማ እናሰማዕና ኢዩ ምስ ትንፋስና ዝቐብረና ዘሎ፡፡ ኣረ እናታይ ኢና ንኸውን ዘለና….? እንታይ ክሳብ ንኸውን ኢና ድምጽና ዓቢስና ኣእዳውና ኣጣሚርና ንምጾታትና ንጽበ ዘለና….? ነቲ ቀታልን በታታንን ስርዓት ህግደፍ ንይምሰል ንቃለሶ ኣለና ካብ ንብል ሓያለይ ዓመታት ንኾንቱ ባኺኑ ኢዩ፡፡ ነቲ ሰላምን ራህዋን ክርኢ ሃንቀው ዝብል ዘሎ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ግን ንእሽቶ ጩራ ብርሃን ንተስፋ እውን ከነርእዮ ኣይከኣልናን፡፡ ይቃለሱ ዘይኮኑ ዘለዉ ይነብሩ ኢዮም ዘለዉ ኣብ ምባል እውን ተበጺሑ፡፡

ከም ነገር ሓባኢ ቁስሉ ሓባኢ ፈውሱ ክንከውን የብልናን፡፡ እቲ ናብ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ኣቕኒዕናዮ ዘለና መስትያት ምስልናን ተግባርናን ክንፍልጥን ክርእየሉን  ናባና እውን ከነዝሮ ኣለና፡፡ ነብስናን ኣካይዳናን ክንፍትሽን ክንምርምርን ኣለና፡፡ ካብ ምቅዋም ሓሊፍና ንኸይንቃለስ ዝኽልክለናን ዝዕንቅፈናን ዘሎ ንረብሓ ውልቀ ሰባት ዝተደኮነ ዘየፋላልየና መፈላየይታት ክንስዕሮን ነቶም ኣብዚ ሕዛእቲʼዚ ተሸጊጦም ሕምስምስ ዘእትዉልና ዘለዉ ብዝሰመረ ድምጺ ኣይፋልኩምን ክንብልን ክንክእል ኣለና፡፡ ኣብ ክንዲ ካብዚ ኣንጸላልዩና ዘሎ ናይ ጥፍኣት ደበና ብኸመይ ብዝቐልጠፈ ንድሕን ገዲፎም፡ ኣብ ጽልእን ቅርሕንትን ዝተነድቐ  ፖለቲካዊ ኣጀንደኦም ሸንኮለል ዘቡሉና ዘለዉ፡ ዋላኳ ካብ ቃልሲ ጡረታ ክንብሎም ዝኸብድ እንተኾነ፡ ከምቲ ንስርዓት ህግደፍ ስልጣን ናብ ህዝቢ ከረክቦ ኣለዎ እንብሎ፡ እቶም ብዜካ ምምራሕ ተመሪሖም ክኸዱ ፍጹም ፍቓደኛታት ዘይኮኑ ኣብዝሓ መራሕቲ ደምበ ተቓውሞ ብጊደኦም መቐይሮ ከምጽኡ ንእሽቶ ተስፋ ክሶኽዑልና ካብ ዘይከኣሉ ንኽመርሕ ዝኽእል ከረክብዎ ኣለዎም፡፡

ጸላኢ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ እንተ ኣሚናሉን ኣስሚርናሉን ናብ ጓል መገዲ ዘኺደና ነገራት ብፍጹም የለን፡፡ የግዳስ ኣብ ባይታ ንርእዮ ዘለና ጭቡጥ ኣካይዳ ደምበ ተቓውሞ ግን፡ ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትነኣ ትናፍቕ ዝዓይነቱ ኢዩ፡፡ ነቲ ቀንዲ ጸላኢ ንጉጅለ ህግደፍ ረሲዕና ንሕድሕድና ከም ኣናብራ ዓሳ ክንበላላዕን ክንወናጀልን ነባኽኖ ግዜ ነጥፍኦ ገንዘብ ኢቲ ዝበዘሐ ኢዩ፡፡ ሎሚ ሓደ ነገር ኣንፈት ሒዙ ኢልካ ተስፋ ትገብር፡፡ ኣይ ሰሙን ኣይሳልስቲ እቶም ጽቡቕ አንተራኣዩ ውቃቤኦም ዝለዓሎም ጋንግሪን ዝገበሩ መራሕቲ ደምበ ተቓውሞ መስአን በሊሕ ፋስን ተዓጢቆም ከፍርስዎን ክቖራርጽዎን ትርኢ፡፡ እዋእ እንታዩ ኢዩ ዝግበር ዘሎ፡፡ ከምዚ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ዝኸዶ ዘሎ ዘይተነጸረ ሓበጀረዋይ ጉዕዞ ኣብ ዓለም ምሉእ እውን ኣይተራኣየን፡፡ ከም መእሰሪ ዘይብሉ ማእዶ ኮይና ተበታቲና ንህግደፍ ክንኣልዮን ህዝብን ሃገርን ካብ ምጽናትን ምብትታንን ከነድሕኖ ድማ ሕልሚ ኢዩ፡፡ እዚ ፍጹም መቐይሮ ከምጽእ ዘይክእል ፋሕ ፋሕ ዝበለ ናይ ደቂ ዛግራ ኣካይዳና ድማ ኢዩ ይቃለሱ ዘይኮኑ ይነብሩ ኢዮም ዘለዉ ዘብለና፡፡ ምንባርን ምቅላስን በበይኑ ስለ ዝኾነ፡፡

ብዙሓት ካብቶም ብልቢ ብቕንዕና ሕልንኦም ገዲድዎም ክቃለሱ ዝደልዩ ኣብ ምቅዋም ተሓጾሮም ዘለዉ፡ በቶም እናፈለጡ ደቂሶም ዘለዉ ብቕዓት ኣመራርሓ ዝጎደሎም መራሕቲ ደምበ ተቓውሞ፡ ንሶም እውን ከይፈለጡ ደቂሶም ምህላዎም ዘማትእ ኣይኮነን፡፡ “እንታይ እሞ ክንገብር ዝመርሓና ስኢና! ምስማር እኮ ኣብዮም! እንተዝሓብሩ ከምዝን ከምዝን እንተዝገብሩ ንሕና እውን እቲ ዝግበር ምገበርና!” ዝብሉ ደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ እቶም ዝበዝሑ ኢዮም፡፡ በቶም እናፈለጡ ዝደቀሱ ተጸልዮም ከይፈለጡ ደቂሶም ምህላዎም ንባዕሎም ኣየስተባሃሉን ዘለዉ፡፡ ስለምንታይ ተጸበይቲ ጥራይ ንኸውን…? ስለምንታይ ክንመርሕን መቐይሮ ክንገብርን ከም ንኽእል ንነብስና ዘይነእምና….? ስለምንታይ ነቶም ሱር ዝሰደዱ ዓንቀፍቲ ድሕሪ ደጊም ይኣክል! ዝብል ሓባራዊ ድምጺ ዘይነስምዕ..? ስለምንታይ ነቲ ኣብ ህልኽን ቅርሕንትን ዝተሰረተ ዘየሰጉም ዝበለየ ኣተሓሳስባ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ያዕ ኢልና ሰፊሕን ህዝባዊ ሰረት ዘለዎን ናይ መቃለሲ ባይታ ክንፈጥርን ከነንጽፍን ወንን ትብዓትን ዘይንዕጠቕ…? በቲ ንበሎ በቲ ፈሊጥና ንኹን ከይፈለጥና ደቂስና ኢና ዘለና፡፡

ሓደ ካብቲ ንኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ናይ እንታይ ገደሰኒ ዘይቅኑዕ ኣተሓሳስባ ኣእትዩ፡ ኣብ ክንዲ ንመሰረታዊ ፍታሕ ንልብያን ሰሃራን ንሲናይን ባሕርን ንኸምርሕ ዝዳርጎ ዘሎ፡ ተስፋ ዘይብሉ ኣካይዳ ደምበ ተቓውሞ ኢዩ፡፡ ተስፋ ዘለዎ ነገር ምስ ሰኣነ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ሓደጋ ኣብ ዘለዎ ነገር ኣትዩ፡ ንህይወቱ ንሞት ኣረኪቡ፡ ብተኣምራት ከም ገለ እንተደሓነ ካብ ኣይፈተንካን ፈቲነ ንምባል፡ ናይ ዓቕሊ ጽበት ውሳነ ኢዩ ንርሑቕ ማዕዶ ስደት ከም ዘቋምት ዝገብሮ ዘሎ፡፡ ንብዙሓት ተወኪሰ ዝረኸብኩዎ መልሲ ዘሕዝን ኢዩ፡፡ “ምተቓለስና ጽባሕ ንግሆʼሞ መንʼዩ ክመጽእ…?” መልሲ ዘይብሉ ዝተንጠልጠለ ሕቶ ኢዩ፡፡ ተስፍኡ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኣዝዩ ዝማህመነ ኢዩ፡፡ ስለምንታይ…..? እቲ መልሲ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ድርዕቶ ተጎምጊሙ እናፈለጠ ደቂሱ ስለ ዘሎ ኢዩ፡፡ ዋዕላ ቃሊቲ፡ ዋዕላ ምሁራን ግዮን፡ ጉባኤ ኣዋሳ፡ መኣዲ ዘተ ደብረዘይቲ፡ ሰሚት ቦለኛ፡ መድረኽ …….. ወዘተ ኩሎም ጽቡቕ ኣስማት ለቢሶም ግን ከኣ ደቂሶም ዘለዉ ስራሓት ኢዩም፡፡ ስለምንታይ…..? እቲ ዝዕንቅፍ ዘሎ መን እንታይʼዩ..?

እቲ ቀንዲ ጸገምና እንታይ ኢዩ ሓቲትናሉን ሓሲብናሉን ንፈልጥ ዶ…? እቶም ንኽመርሑናን ከማእዙኑናን እንመርጾም መራሕቲ ብሕኸኸኒ ክሓከካ ብቲፎዞይ ቲፎዞኻ ኣብ ቦታ ሓላፍነት ኮፍ ነብሎም ስለ ዝለና ኢዩ፡፡ እንትርፎ ንጉጅለ ንዕብይ ዝበለ እኩብ ሃገራዊ ሓይሊ ክመርሑ ዘይክእሉ፡ ብቕዓትን ክእለትን ጹረትን ዝጎደሎም ስለ ዝኾኑ ኢዮም፡፡ ስለ ዝኾነ ቃልስና ክዕወት ህዝብን ሃገርን ካብ ጥፍኣትን ምብትታንን ከነድሕኖ፡ እቲ ናይ ሞትን ማእሰርትን ግልያነትን ሕሱም እዋን ህግደፍ ከነሕጽሮ፡ ሒዞምና ዝድቅሱ መራሕቲ ዘይኮና ክንመርጽ ዘለና፡ ካርዝማቲክ ዝኾኑ፡ ኣሚኖም ዝእመኑ፡ ዓብይ ልቦናን ሰፊሕ ኣመለኻኽታን ዝውንኑ፡ ካብ ናይ ህልኽን ቅርሕንትን ኣከያይዳ ነጻ ዝኾኑ፡ ንሰባት ብኽእለቶምን ፍልጦቶምን ብቕዓቶምን እምበር ብመልክዖምን ኣለባብሶኦምን ዘይመዝኑ፡ ንጉጅለ ዘይኮነ ሰፊሕ ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ ግንባር ክመርሑን ከዓውቱን ዓቕሚ ዘለዎም መራሕቲ ክንመርጽ ኣለና፡፡ ኣይኮነን ካብቲ ፈሊጥና ዲና ከይፈለጥና ደቂስናዮ ዘለና ካብ ሞት ዘይንእስ ከቢድ ድቃስ ክንባራበር ዝከኣል ኣይኮነን፡፡ ሕጂ ውን ከምቶም ዝሓለፉ ዋዕላታት ኣኼባታት ምግባሮም ዘይተርፍ ኢዩ፡፡ ኣብቲ ዝግበር ኣኼባታት በቶም እናፈለጡ ደቂሶም ዘለዉ መራሕቲ ደምበ ተቓውሞ ንሕና እውን ምስኦም ተሰሪዕና ንኽንድቅስ ዝወሃብ መደቀሲ ከኒና ውሒጥና ንድቅስ እንተድኣ ኮይና ምቅላስና ፍረ ኣይክህልዎን ኢዩ፡፡ ፈሊጥና ንኹን ከይፈለጥና ደቂስና ኢና ዘለና፡፡ ዝደንዘዘ ሰብነትና ማይ ዝሑል ነፍስሰሉ ንበራበር፡፡

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

[email protected]

Tele 251-921924501

 

 

 

ሓሶትን ሓቅን፣ ገጽ ንገጽ

ሓሶትን ሓቅን፣ ገጽ ንገጽ

ብኣጋጣሚ ኣብ መበል 24 ዓመት ጽንብል ስርሒት ፈንቅልን: ብምኽንያት ሓዱሽ ዓመት 2014ን፡ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ፡ ኣቶ Iሳያስ ኣፍወርቂ፡ ምስ መዓኽናት መራኽቦU ሰፊሕ ቃለ መሕትት ምክያዱ ይዝከር፡፡ ብጋዜጠኛታት ተወዲኖም ካብ ዝቐረብሉ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ገለ ኣብ መወዳEታ ኣከባቢ ዝቐረበትሉ ሓንቲ ሕቶ፡-

PDF:[jqdial code=”dialdd017ed149″] ሓሶትን ሓቅን፣ ገጽ ንገጽ[/jqdial]

PDF Hasotn Haqen

 

 

 

 

 

ይገርመና’ሎ ናህና ንቕሎ

ኣብ ዘመነ ህግደፍ ኤርትራ ሃገርና ንቁልቁል ገጻ ትምርሽ፡ ኣብ ዘመነ ኢሃደግ ከኣ ኢትዮጵያ ትስስን።  ሃየስከ ተዓዘቡ ኣብነት ናይዛ የአዲስ አበባ ቀላል ባቡር ፕሮጅክት የመጀመሪያው ምዕራፍ

ህድግለነ! ዝኽሪ ንድምጺ ረፈረንደም! 21 ዓመታት ጋም-ማን!

ህድግለነ! ዝኽሪ ንድምጺ ረፈረንደም!
21 ዓመታት ጋም-ማን!
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/

ወርሒ ሚያዝያ 1993 ስንክሳር ታሪኽ ኣለዋ። ኤርትራዊ ነቲ ኣብ ከውሒ ዓረ ዝተነድለ ክብርታቱ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ንምርግጋጽ ዝኸተተላ ወርሒ ኢያ። ሚያዝያ 1993፡ ገዓት መግዛእቲ ውጻእ፡ ገዓት ናጽነት እቶ! ውጽኣ መባልዕቲ እተዋ መናብዕቲ ዝተባህለሉ ዓመት ኢዩ ዝነበረ። ክንደይ ደስደስን ፈንጠዝያን ከም ዝነበረን ምስ በዓል መን ከም ዝነበርናን እስከ ንዘክር! እቲ ክሳብ  ሰማይ ዝደየበ ባህታ ናበይ ደኣ ኣተወ? እቲ ኩሉ ሓጎስን ፍስሃን ከ? ረፈረንደም ታሪኽ ኢዩ።

PDF:[jqdial code=”dial6fb9e1f91e”] ንምሉእ ሓበሬታ ረፈረንደም 1993 ኣብዚ ሰሌዳ ተመልከቱ፦[/jqdial]
Referendum

ደሃይ ደቂቀ እንጦንዮስ

ደሃይ ደቂቀ እንጦንዮስ

 ደቂቀ እንጦንዮስ ዝብል ግሩም መንፈሳዊ መጸውዒንመጀመርታ ግዜ ኣብ መፋርቕ 2005 ኣ.ፈ እዩ ብወግዒ ጀሚሩ። እዚ ከኣ በቲ ሽዑ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሕጋዊ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተፈጸመ ናይ ዓመጽን ጎነጽን፡ ዘይሕጋዊ ምውራድ ፓትርያርክን ምእሳር ብሉጻት ሊቃውንቲ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንናን ዓገብ ንምባል፥ ኩሉ ኣማኒ ተዋሕዶ ድማ ልዕልና ሓዋርያዊ ሕግን መንፈሳዊ ሓቅን ፈሊጡ፡ ኣብ ጎድኒ እሙናት መንፈሳውያን መራሕቱን ኣብ ቀጽሪ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያኑን ብቅኑዕ እምነትን ኦርቶዶክሳዊ ሕብረትን ብነጻ ንኽነብር ዝተጀመረ ጎስጓስ ሓቅን ጽድቅን እዩ።

”ንሓቂ ደው ዝብለላ እንተ ተረኺቡ፥ ዝሞተላውን ኣይትስእንን እያ!” ከም ዝበሃል መንፈሳዊ ጉዕዞ ደቂቀ እንጦንዮስ ከኣ በቶም ኣብ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ኣትናቴዎስ መንፈሳዊ ኮለጅ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ልዑል ትምህርቲ ሥነ-መለኮት ክመሃሩ ዝጀመሩ፡ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ኦርቶዶክሳውያን ውሉደ-ክህነትን መንእሰያት ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን ኣብ ትሕቲ ጽላል ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ እዩ ብወግዒ ጀሚሩ። በብእዋኑ ከኣ ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ካልኦት ክፍለ-ዓለማት ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣመንቲ ተዋሕዶ፡ ንሓቂ ሓዝዋ፡ ሓቂ ድማ ሓራ ከተውጽኣኩም እያ! ዝብል ትእዛዝ ክርስቶስ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ መገዲ-ሓቅን ጽድቅን ኣየናይ ምዃኑ እናበርሀን እናሰፍሐን ክሳብ ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን ገና ብጽቡቕ ይቕጽል ኣሎ።

በዚ መሠረት እምበኣር ደሃይ ደቂቀ እንጦንዮስ ክንብል ከሎና፥ ደሃይ ናይ ኩሎም ቅኑዓት ሰዓብቲ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብዛ ናይ መከራን ፈተናን እዋን ከኣ ብሰንኪ ቅኑዕ ኦርቶዶክሳዊ እምነቶም፥ ዝሽገሩን ዝእሰሩን፥ ዝጽረፉን ዝግረፉን፥ ዝስጎጉን ዝስደዱን ዘለዉ ኤርትራውያን ካህናት ይኹኑ ዲያቆናት፥ መዘምራን ይኹኑ ምእመናን ዝጥርንፍ ሰፊሕ መጸውዒ ስም እዩ። 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ከኣ ወኪል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ሓዋርያዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን እዮም። ሕድሪ ሃይማኖት ዘጽንዑ እሙን ሰዓቢ ክርስቶስ ምዃኖም ድማ ከምቲ ብቓሎም ኣብ ቅድሚ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ብሓዋርያዊ ማሕላ በትሪ-ጉስነት ዝተረከቡ፥ ብግብሮም ድማ እሙን ጓሳ ተዋህዶ ብምዃን ንልዕሊ 8ተ ዓመት ብማእሰርትን ስቅያትን ካብ ቤተ ክርስቲያንን ቁርባንን፥ ካብ ህዝቦምን ገዳሞምን ተነጺሎም ምእንቲ ክብሪ ኣምላኽ ብሰማዕትነት በጃ ዝሓልፉ ዘለዉ ርህሩህ ኣቦና እዮም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ደቂቀ እንጦንዮስ በብዘለዉዎ ሃገራትን ኣኅጉረ ስብከታት እናተጠርነፉ ንመንፈሳዊ ዕላማን ኦርቶዶክሳዊ ረብሓን ክብሉ ብሉጽ ስራሕን መንፈሳዊ ምንቕቓሕን ይገብሩ ኣለዉ። ሓደ ካብኡ ንምጥቃስ እቲ ብሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ድሮ ተጀሚሩ ዘሎ “ተዋሕዶ መንፈሳዊ ኮለጅ” ብደገፍ እግዚኣብሔርን ጸሎት ቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስን ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ እናተመርሐ ንካልኣይ ዓመቱ ልዕሊ 160 ተመሃሮ ጠርኒፉ ብጽቡቕ ይቕጽል ኣሎ። እዚ ከኣ ከምቲ ጎይታ ባዕሉ “ኬድኩም ፍረ ምእንቲ ክትፈርዩን፡ ፍሬኹምውን ምእንቲ ነባሪ ኪኸውን ሸምኩኹም”(ዮሓ 15፡16) ዝበሎ፡ እቲ በብቦትኡን ኣብ አእዋኑን ብደቂቀ እንጦንዮስ ዝዕመም ዘሎ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ቆጽሊ ጥራይ ዘይኮነስ ፍረ ዝህብን ፍሪኡውን ገሊኡ ሠላሳ፥ ገሊኡ ስሳ፥ ገሊኡ ኸኣ ሚእቲ ፐርሰንት ፈርዩ፡ ሠናይ ዕዮ ወንጌል ምዃኑ ብጣዕሚ ባህ ዘብልን ተስፋ ዘስንቕን እዩ።

እምበኣር ሕጂውን ኩሎም ደቂቀ እንጦንዮስ ብቅድስና ጸሎተ-ቡራኬ 3ይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝምርሑ፥ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ይኹን ኣብ ወጻኢ ኣብ ኩሉ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ፡ ኣንጻር ሓሶትን ኃጢኣትን ዝቃለሱ፥ ክብሪ እግዚኣብሔርን ክብሪ ሰብን ዝርድኡ፥ ንልዕልና ሕግን ሓቅን ዝግዝኡ፥ ብመሠረት ትእዛዝ ጎይታና (ማር 12፡17) እቲ “ናይ እግዚኣብሔር ንእግዚኣብሔር፥ ናይ ቄሳር: ንቄሳር ዝህቡ”፥ ቅኑዓት ኣመንቲ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን እዮም። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ቅኑዕ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ኣነ መንፈሳዊ ኣባል ደቂቀ እንጦንዮስ እየ! ምእንቲ ኦርቶዶክሳዊ እምነትን ሠናይ ተግባራትን ድማ ዓቅመይ ዝፈቕዶ ዕዮ ከበርክት ቅሩብ እየ ንምባል ፍርሕን ሕፍረትን ክስምዖ ኣይግባእን። ስለምንታይሲ ሓዋርያ ጴጥሮስ ኣቐዲሙ “ሓደ እኳ ካባኻትኩም ቀታሊ ወይ ሰራቒ፥ ወይ ገባር ክፉእ፥ ወይ ኣብ ነገር ካልኦት ኢዱ ዘእቱ ብምዃኑ ስቓይ ዚቕበል ኣይሃሉኹም። ክርስቲያን ብምዃን እንተ ተሳቐየ ግና ስለ እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ የመስግን እምበር ኣይሕፈር” (1 ጴጥ 4፡15-16) ዝብል ትእዛዝ ሓዲጉልና ስለ ዘሎ።

ኣብ መደምደምታ ”ጸበባ ኣይትኸውንን ክንዲ ራህዋ” ከም ዝበሃል እዚ ዘሎናዮ እዋን ፈተና ብርግጽ ብሓይሊ ኣምላኽ ቀልጢፉ ክልወጥን ክሓልፍን እዩ። ኩምራ ሓሶትን ብዙሕ ሓጢኣትን እንተ ተኣከቡ ድማ ንዘንጊ-ሓቅን ሕግን ክስዕሩ ፈጺሞም ኣይክእሉን እዮም። ስለዝኾነ ኣብዚ ኣገዳሲ እዋን ሱባኤ ዓቢይ ጾመ-ኣርብዓ ልምድን ትእዛዝ ቤተ ክርስቲያንን ኮይኑና ጥራይ ዘይኮነስ እቲ እግዚኣብሔር ዝፈትዎ ጾም ኣየናይ ምዃኑ ተረዲእና፥ ብመዓልቲ ጾምኩምሲ ተግባርኩም ኢኹም እትገብሩ ዘሎኹም ከይብለና ተጠንቂቕና፥ ክዳንና ዘይኮነስ ልብና ኣንጺህና ንኣምላኽ ንለምን። ልዑል እግዚኣብሔር ጾምና ባሪኹ ኣብ ብርሃነ ትንሣኤ ብሰላም የብጽሓና!

መከራና ኣብ ምድሪ ዓስብና ኣብ ሰማይ!!!

ደቂቀ እንጦንዮስ ተዋሕዶ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ