ስርሒት ዓብደረቦ!

ስርሒት ዓብደረቦ!

ቀደምʼዪ! ብዙሕ እኳ ኣይዝከረንን፡፡ ኣብ ገዛባንዳ ጥልያን ጎደና ማርኮኒ ከባቢ መስጊድ ኢዩ፡፡ ኣብ ገዛ ናይ ሓደ ዓርከቦይ ዓብደረቦ ኣትይዎም ክባሃል እሰምዕ ነይረ፡፡ ዓብደረቦ እንታይʼዩ..? ከመይ ከመይ ከ ይገብር..? ብዙሕ ኣፍልጦ ኣይነበረንን፡፡ ብሓቂ ድማ ንእሽቶ፡ ትሕቲ ዓሰርተ ዓመት ዝዕድሚኡ፡ ከመዛዝን ዘይክእል ህጻን እየ ነይረ፡፡ ግን ከኣ እቲ ዝዝረብ፡ ዝበሃል፡ ዝውረ ዝነበረ ኣይርሰዓንን፡፡ ከምቲ ብነኣሽቱና እንከለና፡ ዝንገረና መፍረሒ ዓይነት ጽውጽዋይ ኮይኑ ይስመዓኒ፡፡ ንብረት ገዛ ዝተንከፎ ዘይብሉ ባዕሉ የንቀጥቅጥ፡ ጸኒሑ ይወድቕ ይሰባበር፡፡ ቢኬሪ ቡሽ መስተይ ሻሂ ኣብ ኢድካ ሒዝካዮ ከለኻ ዝተንከፈካ ዘይብልካ ወዲቑ ሸዋሕዋሕ ይብል ይሕምሸሽ፡፡ መኣዲ ክትበልዕ ቅርብ ምስ ኣበልካዮ ባዕሉ ቁልቁል ዝኣፉ ግልብጥ ይብል ይድፋእ፡፡ በዚ መጸ ዘይበልካዮ ኣይሂ ደናጉላ ሓነግነግ የብለካ፡፡ ግን ከኣ ዝገርም ደም ዝበሃል ኣይትፈስስን ኣይትሓብጥን እውን፡፡ እቲ ዘረባ እቲ ዝበሃል ብዙሕ ብዙሕ ኢዩ፡፡ ተግባራት ዓብደረቦ ተኣምራት ኢዩ፡፡ ክዓልብ እምበር ክስንዶ ብፍጸም ኣይትርእዮን፡፡ ስራይ ዓይነት ኢዩ፡፡ መን ይፈልጥ ዓብደረቦ ሓወን ወይ ውን ወዲ ሓወቦአን ንደቂ ሕድርትና ክኸውን ይኽእልʼዩ፡፡

ነገር ዓብደረቦ ደሓር ምስ ዓበኹ ካብ ቤትምህርቲ ሰውራ ናብ ገድሊ፡ ካብ ገድሊ ነጻነት ኮይኑ ዳግማይ ናብቲ ዝዓበኹሉ ሕብረተ-ሰብ ምስ ተጸንበርኩ እየ ብዝግባእ ፈሊጠዮ፡፡ እንተኾነ ንሓንቲ ካልኢት እውን ትኹን እቲ ገና ንእሽቶ እንከለኹ ዝሰምዖ ዝነበርኩ መፍርሒ ተግባራት ዓብደረቦ ጎኒፉንን ብዓይነይ ርእየን ኣይፈልጥን እየ፡፡ እቲ ብዛዕባ ዓብደረቦ ዝበሃል ሓቅነት ኣለዎዶ ወይስ ጽወጽዋይ ዝዓይነቱ ፈጠራዊ መፍርሒ ፊልም ኢዩ እንድዒ፡፡ ነገር ዓብደረቦ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ድዩ…? ኣብዛ ንነብረላ ዓለም ከምቲ ንዓርከቦይ ዘጋጠሞም ኣብ ኣመሪካ፡ ኤውሮጳ፡ ቻይና፡ ሲንጋፖር ከ ኣጋጢሙʼዶ ይፈልጥ ይኸውን ንተመራመርቲ እቲ ዓውዲ ክገድፈሎም፡፡ እቲ ንዓርከቦይ ዕረፍትን ቅሳነትን ከሊኡ ካብ ቤቱ ዝፈናቐሎ ዓብደረቦ ዝሓለፈ ሰሙን ከም ገለ ዘኪረዮ፡፡ ስርዓት ህግደፍ እንታይ ዘየዘኻኽር፡፡ ነቲ ሰለስተ ዓሰርተ ድፍን ዓመታት ዘሕለፈ ናይ ህጻንነተይ ዝኽሪ ኣዘኻኺሩኒ፡፡ ክላእ ግደፈና ናትካ ግዳ ናይ ትማሊ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ናይ ዘበነ እኒ እኒ ሕምባሻ ከሎ እምኒ ንዘበነ ውበ፡ ዘበነ ቱርኪ፡ ዘበነ ጥልያን፡ ዘበነ ዓፋኝ፡ ዘበነ ኩቦን፡ ዘበነ ይለፍ፡ ዘበነ ተፍትሽን ርጂላን ቀርዒዶን ከማን ኣዘኻኺሩና ኣሎ፡፡

እህህህህ……..
ገሌኹም ድማ ኣየ ኣራንቺ አብኣ ኣላትካ፡፡ ካብ መአስ ኢኻ ብዛዕባ ዓብደረቦን ዓንደረቦን ዝጸሓፍካ፡፡ ነዚ ጎሮርኡ ተሓኒቑ ኣፉ ዝለኸተ ምእዋይ ዝሰኣነ ሕሉቕ ዝበኸተ ስርዓት ድኣ ክትሳሃሎ ደሊኻ እምበር ከም ትብሉኒ ኣይሰሓትኩን፡፡ ኣይተጋገኹምን! የግዳስ እቲ ገና ህጻን እንከለኹ ክዕለለሉ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ዓብደረቦ ባዕሉ ተሳሂልዎ ኣሎ፡፡ ዝሓለፈ ዓርቢ 20 መጋቢት 2015 ዓብደረቦ ኣብ መዓደኒ ወርቂ ቢሻን ኤምዳድ ኣጽዋርን ተተኮስትን እንዳ ኣሜሪካ ማይ ዕዳጋን ወጋሕታ ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን ተራእዩ፡፡ ካብቲ ኣነ ንእሽቶ እንከለኹ ክዕለለሉ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ዓብደረቦ ግን ዝተፈለየ ኢዩ፡፡ ብወተሃደራዊ ተዕሊም ዝሰልጠነ ዝታኾስ ዘመናዊ ዓብደረቦ ኢዩ፡፡ ከከከከከ ስሓቕ!

ዓብደረቦ ንመዓደኒ ውርቂ ቢሻን ኤምዳድ ኣጽዋርን ተተኮስትን እንዳ ኣሜሪካን ነቲ ከባቢ ብዘናወጸ ከቢድ ድምጺ ቡምባታት ተሳሂልዎ፡፡ እንድዒ ኸ ዓብደረቦ ይሰብር፡ የውድቕ፡ ደም ብዘይ የውጽእን ዘየሕብጥን ደናጉላ ይፋጋእን እምበር፡ ቡምባ ይድርብን ፈንጂ የጻውድን ባርዕ ይፈጥርን የንድድን ዝብል ንእሽቶ ከለኹ ኣይሰማዕኩን ኣነ፡፡ ንኺድʼዶ…ህግደፋውያን..? ንኺድ …ክሳብ ጠቕሊልና ንጸድፍ!

ዝገርም ክስተት ኢዩ፡፡ ህዝቢ ብዓይኑ እናረኣዮን እቲ ዘናውጽ ብርቱዕ ድምጺ ብእዝኑ እናሰመዖን ተተልቲሉ ንላዕሊ ዝዓርግ ብርቱዕ ቃጸሎን ትክን እንዳተዓዘበ፡ ካብ ሚሒር ምሕማሙ ክሳብ ትድንዝዝ ተደሲቕካን ተሰሊቕካን ክንስኻ ኣፍካ ዓቢስካ ጥርቅም ድኣ እንታʼዩ እቲ ሚስጢር…? ዓብደረቦ እንተ ተዛሪብካሉን ያዕ ያዕ ኢልካ እንተ ኣእዊኻሉን ይደግም ይደጋግም ኢዩ ዝብል ስግኣትʼዶ ንህግደፍ ኣፉ ከም ዝልክት ገይርዎ ይኸውን….? እንድዒ፡፡ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ስርሒት ዓብደረቦ፡ ንስርዓት ህግደፍ ብልክዕ ኣብቲ ዘሕምሞ ኣካሉ ከሲኡ፡ ዓባስ ከም ዝኸውን ዝገበረቶ ብርትዕቲ ማሕጎማ ኢያ፡፡ ኣሜሪካን ወያነን ሓምሻይ መስርዕን እቲ ኣብ መልሓስ ህግደፍ ንዓመታት ዝተሰቑረ ስቑሬን፡ ዘይከም ትማሊ ንእለቱ እኮ ጠሚሙ፡፡ እዚ ኣሽንካይʼዶ ተደሲቑ ከይተደሰቐ እውን ብኻዕቦ ሓሶቱን ምድንጋራቱን ዝልለ በዓል ወረቐት ስርዓት ህግደፍ ሎሚ ስለምንታይ ስቕ ጥዑም ምስ መኽደኑ መሪጹ….?

ብጣዕሚ ዝገርም ኢዩ፡፡ ከም ነገር ፈሊጡ ዝደቀሰስ ነውኒውካዮ ነይሰምዕ ኢዩ፡፡ እዚ ውዱቕ ስርዓት ንድስቒት ዓብደረቦ ከም ደም ኩርምቲ ንውሽጢ ክውሕጦን ክሰትሮን ኢዩ መሪጹ ዘሎ፡፡ ኤእ ዓሻ ድዩ ህግደፍ ዕደ፡፡ ሎሚ ከም ዓምን ቅድሚ ዓምን ከም ዘይኮነ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ፡፡ ንዝወደቐ ገረብ ሓኽሊ ይበዝሖ ዝብል ምስላ ኣቦዋት ከመይ ቢሉ ክጠፍኦ፡፡ ከምቲ ቅድሚ ዓሰርተው ሸውዓተ ዓመታት፡ ተወረርካ ምስ ተባህለ፡ ህዝቢ ግንባሩ ክህብ ናብ ግንባራት ዝወፈረ፡ ሎሚ ዓንደረቦ ኣብ መዐደኒ ወርቂ ቢሻ ደሲቑና፡ ተመለሊሱ ኣብ መኸዘኒ ኣጽዋር እንዳ ኣሜሪካ ማይ ዕዳጋ ሰሊቑና እንተ ኢሉ፡ ህዝቢ ምሳሩ ሒዙ ናብ ግንባራት ዘይኮነ፡ ገጹ ገልቢጡ ናብ ቤተ መንግስቲ ግብን ማእከላይ ቤ/ጽ ህግደፍ ካምፖፖሎን ከም ዘቕንዕ ኣይጠፍኦን ኢዩ፡፡ ኤእ ጨቆቕ ኢሉ ዘጥረዮ ገዛውቱ ተደናጊሩ ናተይ ብዝበሎ ስርዓት ብዶዞርን ግሬደርን ከፍርሰሉን ዓነውነው ከብለሉን ብዓይኑ ዝረኣየ ህዝቢ፡ ቂምትኡን ጽልኡን ግዜ ኢዩ ዝጽበየሉ ዘሎ፡፡ ስለዚ ምርጫ ህግደፍ መ መልሲ የለን ኢልካ ነገራት ዓቢስካ ስቕ ኢያ ተዋጽኦም፡፡

ኣብ መጠረሽታ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ስርሒት ዓብደረቦ ክብል ንኹሉ ኩዱን በኣፈ ስላሴ ሓሊፈዮ ኣለኹ፡፡ የግዳስ ሰብ ዝፈልጦ ድቓላ ሓኒቕክን ኣይትቕተላ ዝበሃል እውን ኣሎ፡፡ ኣብ ዝቕጽል ጽሑፈይ ብዛዕባ እዚ ኣብ 20 መጋቢት 2015 ዘጋጠመ ደቒቕን ዝርዝራውን ሓበሬታ ከስዕበልኩም እየ፡፡

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)
[email protected]

ሰልሶ ደኣ ይብላኻ!

ሰልሶ ደኣ ይብላኻ!
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ መጋቢት 28-2015

ጓይላ ክስለስን ከይስለስን ናይቶም ተለሃይቲ ጉዳይ ኢዩ። ተዓዘብቲ፡ መርዓዊን መርዓትን ክስዕስዑ እንከለዉ፡ ባህሊ ስለዝኾነ ጓይላ ደስ እንተ ኢሉዎም “ሰልሶ የ… ሰልሶ ደኣ ይብላኻ” ኢሎም’ዮም ዝደርፉ። ተዛሪብካ እንታይ ኣምጻእካ እንድዩ ነገሩ፣ ሎሚ’ውን ነቶም ኣብ ቢሻን ኣብ ማዕ ዕዳጋን ኣስናን ህግደፍ ዘጉረፉ ሓይልታት’ዶ ንበሎም መናፍስቲ፣ ‘ሰልሶ ደኣ ይብላኻ’ ክብሎም እደሊ። ክሳብ’ዚ ዕለት እዚ፡ ነቲ ስጉምቲ ዝወሰደ ኣካል ዛጊት ብወግዓዊ መንገዲ ኣይተፈልጠን።

ተስፋ እንተዘይነብር፡ ወዲ ሰብ’ውን ኣይምሃለወን። ስለዚ ንሕና ከም ደቂ ኢሳቕ፡ ብተስፋ ኢና እንነብር። ሕጂ’ውን እቶም ንምቕባርና ጎዳጉዲ ዝኾዓቱ ተዃሉ ህግደፍ፡ ኣብታ ዝኾዓትዋ ጋህሲ ከም ዝኣትዉ፣ ብተስፋ ክንጽበ ኢና። ስለ’ዚ እየ ድማ፡ ብድሕሪ ድርብ ጓይላ ቢሻን ማይ ዕዳጋን፣ ሰልሶ ደኣ ይብላኻ ኢለ ንክሕንጥጥ ዝተበገስኩ። ኢሳይያስ ብዘይካ ቋንቋ ሓይሊ ካልእ ዝኾነ መረዳድኢ ቃላት ስለዘይብሉ፡ ጉዳይና ከኣ ብሓይሊ ጥራይ ኢዩ መዕለቢ ዝረክብ። ስለዚ ኣንታ ከም ኣጋንንቲ፡ ኣብ እዋን ከውታ ሰማያት ቢሻ ዝነቕነቕካ፡ ሕጂ’ውን ሰልሶ ደኣ ይብላኻ!

‘ዕዉር እንታይ ትደሊ፡ ብርሃን’ ነጋዳይ’ከ ደሓን’ ከም ዝበሃል፡ ንሕና ከኣ እዚ ጠቃር ግዜ ህግደፍ ተቐንጢጡ፡ ብርሃን ክንርኢ ስለ እንደሊ፣ ብድሕሪ ምድካር ቢሻ፡ ትካላት ኢሳይያስን ብጾቱን መመሊሱ ኣስናን ኣደይ መዘንግዕ እንተኾነ፡ መቕደዊና’ምበር ኣይክሓስመናን ኢዩ። ንሱ’ዶ ኣይኮነን ፈላስፋ ጥፍኣትና? ንሱ’ዶ ኣይኮነን በዚ ኤርትራ ረኺባቶ ዘላ ሕሰም ዝሕተት? ስለዚ ኣንታ ስርኤል ቢሻ፡ ሰልሶ ደኣ ይብላኻ!

በዚ ይኹን በቲ፡ ዕድመ ህግደፍ ንምሕጻር ዝተጀመረ ስርሒት ስለዝኾነስ ብድሕሪ ድርብ ጓይላ ኣብ ቢሻን ኣብ ማይ ዕዳጋን፣ ተለሃይቲ እንተሰለሱዎ፡ ኣብ ቅርዓት ኢሳይያስ ኢዩ ክኸውን እቲ ስብራ። ብዛዕባ ስርሒት ቢሻን ማይ ዕዳጋን ብዝምልከት፡ ኣቦይን ኣደይን ነንበይኑ ጸሎቶም ኮይኑ ቀንዩ ኣሎ ወረታትና። ከምቲ ሓርበኛ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም “ኤርትራውያን ንከይንሰማማዕ ተሰማሚዕና ኢና” ዝበልዎ፡ ንሕና ኤርትራውያን ድማ ሎሚ ፈጺምና ንከይንሰማማዕ ተፈራሪምና ኢና። ኣብ ብዙሓት ወሰንቲ ጉዳያት ፈንጨጋር ዝኾነ ኣመለኻኽታ ስለዘሎና፡ ተሰማሚዕና ኣይንፈልጥን ኢና።

ፍልልያትና ብሳልዳትርሺ’ውን ክለሓም ስለዘይክእል፡ አሔው! ከከም ጸሎትና ይግበረልና ንብል። ንሕና ኤርትራውያን፡ በዚ ሎሚ ቅነ ኣብ ቢሻን ማይ ዕዳጋን ዝወረደ ስጉምቲ’ውን ክንሰማማዕ ኣይንኽእልን ኢና። ንመደንጾ! ክኸውንሲ፡ ‘ምብላዕ ምብልዑ፡ ዝብኢ ዓድና ይብልዓዮ!’ ይብሉ ሰባት ኣለዉ። ኢሳይያስ ስጋናን ደምናን ጸጊቡ፡ ፍጊዕ ኢሉዎ ክሳብ ባዕሉ ዝእለ፡ በዚ ናትና ዝብኢ ትም ኢልና ንበላዕ ዝብሉ ሰባት ምርኣይ ከኣ ሓድሽ ጉዳይ ኣይኮነን። ለባማት፡ “ክልተ ሰባት ርእስኻ የላን እንተኢሎሙኻስ፡ ሃሰስ በላ” ይብሉ። ስለዚ ረርእስኻ ፈትሽ ኣንታ ህዝቢ!

እዚ’ውን ሓደ ካብቲ ብቐሊሉ ዘይለሓም ፈንጨጋራትና ኢዩ። ከምቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ንደብዳብ ትካል ቢሻ ኣመልኪተ “ማሕጎማ” ብዝብል ዝጸሓፍኩዎ ኣርእስቲ፡ ዛውራይ እውን እንተዝድገም ክንደይ’ኮን ደስ ምበለኒ! ወላ’ኳ ናይ ርእይቶ ፍልልይ ጸጋ ነቲ ዝገብር ዝዓግቶ እንተዘይኮነ፡ “…እዚ ስርዓት እዚ ብኣና ክህረም ኣለዎ” ብዝብል ኣረኣእያ፡ ምህራም ትካል ቢሻ ዘጉሃዮም ኣሕዋት ብምስመዐይ ሓዚነ። ከምቲ ‘ሰራሕ ገንኢ፡ ምስራሕ ሞጎጎ ይኣብዮ’ ዝበሃል፡ እቲ ንግንባራት ደርግ ዝደምሰሰን ቅያ ዝሰርሐን ህዝቢ ኤርትራ፡ ስርዓት ኢሳይያስ ንምእላይ ኣላሽ ኢሉ’ዩ። ፈቲና ኣይፈቲና ከምኡ ስለዝኾነ ውሽጥናን ውሻጠናን፡ ኣስናን ኢሳይያስ ብዝኾነ ወንጭፍ እንተጎረፈ፡ ብድሕሪ ጓይላ ኣብ ቢሻ’ውን ሰልሶ እንተተባህለስ እንቋዓናይ ተዓለለ ክበሃል ምተገብአ።

ሽዑ ኣብቲ ወጋሕታ ለይቲ ሰዓት 04፡30፣ እቲ መርድእ ንኢሳይያስ ምስ ነገርዎ፡ ከመይ’ኮን ነይሩ ይኸውን ትርግታ ልቡ? ሓንቲ ቦምባ ናብ መደቀሲኡ ወዲቓ ኣቃቢጻቶ እንተትነብር’ከ ስምዒታትና ሎሚ ከመይ’ኮን ምኾነ? ድምጺ ደቂ ሓላላት ኢዩ’ሞ፡ ኣይተርፍን ይኸውን ግዲ! ክሳብ ብሰማይ ድዩ ብመሬት ሰልሶ ደኣ ይብላኻ ዝስማዕ፡ ደጊም ድሕሪ ሕጂ ጽሉልና ከም ውሕጂ ለይቲ መሕደሪኡ ኣይክፍለጥን ኢዩ። ሓንሳብ ከርከበት፡ ጽንሕ ኢሉ ዓድሹማ፣ ኣብ ሳልስቱ’ውን ዓራርብ እናቀያየረ ክሳብ ዝዓርብ ክቕኒ ኢዩ። ረድዮ መሪናዮን ባጽዕን ድማ ኩቦ ደርብዩ፡ ክሰናበተን ኢዩ።

እስከ ጋእ ንበል! ብመጀመርያ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንህዝብና ክሳብ ዘይወከለ፡ እቲ ንሱ ዝወነኖ ንብረት ይዕበ ይንኣስ ናትና ናይ ኤርትራውያን ንብረት ኣይኮነን ክቡራት ኤርትራውያን። ንሳቶም እቶም ጸይቀ_ዕሉላት መራሕቲ ህግደፍ እውን ምንም ኣይብጽሑናን ኢዮም። ስለዚ ብዝኾነ ሓይሊ ድዩ ብበርቂን ነጎዳን ንሳቶምን ንብረቶምን ዑና እንተኾኑ፡ ድራርና ኢዩ ዝዓቢ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ፡ ብቋንቋ እቲ ኣብ ውሽጢ ዝነብር ህዝቢ፡ ስርዓት ደርግ ዝሕሸሉ ግዜ ኢዩ ዘሎ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ኣብ ዘመነ ህግደፍ፡ ብዘይካ ኣብ ትሕቲ መሬትን ባሕሪን ዘሎ ባህርያዊ ሃብቲ፡ ልዕሊ መሬት ዘሎ ንብረትን ወርቂን ኣይንታይናን ኢዩ።

ኣይኮነን’ዶ ወርቂን ማዕድናትን፡ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ጨቖቕ ኢሉ ዘስርሖ ኣባይቱ’ውን ብዶዘራት ይፈርስ ኣሎ። ስለዚ ኣባይቲ’ውን ኣብ ዝኾነ እዋን ኢሳይያስ እንተተቖጡዑ ክፈርስ ስለዝኽእል፡ ኣይንብረትናን ኢዩ። ስደትን ሞትን እውን ገና እግረእግሪ ኤርትራውያን ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ዓመታት፡ ከመይ ዝበለ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን መዋቕር ሃኒጻ ትርከብ ኣላ? እዚ ናይ ዕንወት ካሪክለም ዝሓንጸጸ ስርዓት፡ ብዘይካ ማርሽ-ኡንዴትሮ ንወላ ሓንቲ ስጉምቲ’ውን ንቕድሚት ኣይከደን። ‘ወረ ጎንደር፡ ከከም ጊላዋኻ’ ከም ዝበሃል፡ ኣመለኻኽታና ኣብ ስርዓት ህግደፍ ከኣ፡ ብኡ መጠን ከከም ጊላዋና ኢዩ። እቶም ትካል ቢሻ ተሃሪሙ ኢልኩም ትሓሙ ዘለኹም ዜጋታት ኤርትራ ድማ፡ ኣምላኽ ብጸበሉ ይፈውስኩም።

መሬትሲ ተፋሒሩ። እሞ’ኸ ድኣ ሽያጥ ወርቂ ቢሻ ናበይ ኣተወ? መን’ዶ ኣሎ’ዩ ከም ሸዊት ገደና ካብ ወርቂ ቢሻ ዝተመቕለ? ‘ዘይኣሓኻ ነየቒሓኻ’ ከም ዝበሃል፡ በቲ ኣብ ጁባ ውሑዳት ዝኣተወ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ዝቕይሕ እንተሎ ግን፡ ሎሚ ገጹ ትኪ እንተመሰለ ሓቁ ኢዩ። ምህራም ትካል ወርቂ ቢሻ፡ እዋናዊ መፍጋእቲ ንኢሳይያስ ኢዩ። ብሰንኪ ፋሕፋሕ ምባልና፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ገበነኛ ስርዓት ኣልዩ ዝምነዮ ህዝባዊ መንግስቲ ክተክል ኣይከኣለን። ንድሕሪት ተመሊስና ኣብ እንርእየሉ ግዜ ከኣ፡ ኩላተን ፍጻሜታት ነናተን መዛግብቲ ኣለወን።

ረሰዓይን ዓሻን ህዝቢ ስለዝረኸበ’ዶ ኣይኮነን ነቲ ባዕሉ ዘባርዖ ኲናት ባድመ፡ “ወያነ ኣብ ባድመ ወሪራትና” ኢሉ ንህዝቢን ሃገርን ዘጥፍአ። እወ ሰልሶ ክሳብ ዝበሃልሲ፡ ጋእ ደእእ ንበል። ከመይ ግን ይርሳዕ 1998-2000 ዓ.ም. ዝነበረ ህልቂትን ዕንወትን መዳርግቲ ነይሩዎ ድዩ? ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ተበሳቢሱ’ዶ ኣይኮነን! ሽዑ’ዶ ኣይኮነን ኣብ ደገ ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ንብረትን ገንዘብን ብሰበብ “መኸተ ንወራር” ዝተመንዝዐ! እወ እስከ ንዘክር ኣብ ኣስመራ ብደቀንስትዮ ዝነበረ ኣኼባታት፡ ዘዝነበረን ስልማት’ዶ ንሓጎስ ክሻ ኣየረከባን ኢየን ኣዴታት ኤርትራ!

ከደ ከኣ! ከደ ትርግታ ህዝቢ ኤርትራ እናሰረቐ፡ ነቶም መራግእቲ ሃገራውነት ዝነበሩ መሪሕነት ውድብ ህዝባዊ ግንባርን ጀጋኑ ጋዜጠኛታትን ንዘለኣለም ዘጥፍኦም። ኣበይ ኣለዉ በዓል ማሕሙድ ሸሪፎ ጎይታ ጠባይ፡ ኣበይ ኣተዉ እኒ ድሩዕ ሊቀ-ሊቃውንቲ፡ እንታይ ኢዩ ኣበስኦም እኒ በዓል ዑቕበ ኣብርሃ ኢድካ መሊስካሉ ዘይናኸስ ኣቦ ስድራ፡ አረ እንታይ ኢዩ ገበናቶም በዓል ጴጥሮስ ኣንበሳ ናቕፋ፡ ብርሃነ፡ ሓምድ ሕምድን ጀርማኖን ከ ሕያዎት ናይ ህዝቢ ጓሶት’ዶ ኣይኮነኡን ዝነበሩ። ኣብ ኲናት ዝለመሰ ኣባዓረ’ኸ ክእሰር’ዶ ምተገብአ? በዓል ስዩም ጸሃየ፡ ኪሮስ ዓወር፡ ኢሳስያስ ረድኢ ወ.ዘ.ተ… ምንም በደል ኣይነበሮምን’ኮ! ሽዑ ኢሳይያስ ከምቲ ‘ጩግራፍሲ ነፍሳ ሃሪማ፡ ባዕላ ተአዊ’ ዝበሃል፡ ብሰበብ ባድመ ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓንቲ ፊስካ ኢዩ ከም ጽምብላሊዕ ናብ መጋርያ ሓዊ ሰሪዕዎ። ጠጠቖ ድማ፣ ብሰንኪ ፋሉላዊ ኣከያይዳ ኢሳይያስ፡ ኣብ 1999 ኣብ ባድመን ከባቢኣን፡ ኣብ ወርሒ ግንቦተ-ሰነ 2000 ኣብ ፎውሊና፡ ከርካሻ፡ ገርሰትን ማዕሎባን ዝሃለቐ መንእሰይ ኣብ ምንትምንታይ? ሰብ ምስ ሃለቐ’ኮ’ዮም ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝነበሩ ኮሎኔላት በዓል ሚኪኤል ወሎን ወዲ ዕንቋይን ዝተማረኹ። ስለምንታይ ግን ኤርትራ ንከምኡ ዝኣመሰለ ውርደት ተፈሪዳ?

ናይ ትማሊ ዝተረስዐስ፡ ናይ ቅድሚ ትማሊ ደኣ ከመይ ኢዩ ክኸውን ኣንቱም ህዝቢ? ንስርዓት ህግደፍ እገዳ ይገበረሉ ክበሃል እንከሎ’ውን ብዙሓት ተቓወምቲ መሰል ወረጃታት ማዕዶ፡ “እገዳ ንህዝቢ ክሃስዮ ስለዝኽእል፡ ክግበር የብሉን” ኢሎም። እቲ ቀንዲ ንህዝቢ ዘሰንበረ እገዳ ግን፡ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ። ሓንቲ ኩንታል መሸላ ካብ ጎሉጅ ናብ ኣስመራ ከይትኣቱ፡ ብሑቕ’ውን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንከይንቀሳቐስ ክልኩል ምዃኑ’ዶ ባዕለ ሓዋርያ ጥፍኣት ኣብ ተለቪዥን ኣይኣወጀን ኢዩ? ንኩላቶም ዓቕሚ ዝነበሮም ኤርትራውያን ነጋዶ ብመኾስተር ጸሪጉዎም ኢዩ። ንወደብ ባጽዕ መሕብኢት ንክትኮኖ፡ ህዝባ ኣበሳቢሱ’ዶ ኣይጠረዞምን። እስከ ንምዕራብ ኤርትራ’ውን ኪዱ’ሞ ኩነታት ህዝቢ ገርሰትን ተበልድያን ከመይ ኢዩ ዝነበረ ኢልኩም ሕተቱ።

እቲ ካብ ሽያጥ ወርቂ ቢሻ ዝርከብ ካብ 300-400 ሚልዮናት ዶላራት ዝበሃል፡ ናበይ ኢዩ ዝኣቱ ዝነበረ ኢልካ ምሕታት እዋናዊ ኢዩ። ኣብ ስርዓት ህግደፍ ብፍሉጥ መንገዲ፡ “ኣንታ ህዝቢ እዚ ናትና ብጽሒት ኢዩ፡ እዚ ከኣ እጃምካ ኢዩ” ዝበለ በዓል ስልጣን የለን። ካብ ሽያጥ ወርቂ ቢሻ ባኒን ከኒናን ይግዛእ እንተነይሩ፡ ካብ ሽያጥ ወርቂ ቢሻ ዩኒቨርሲቲ እንተዝህነጽ፡ መብራህቲ እንተዝትከል፡ መነባብሮ ህዝቢ ወላ’ውን ብመጠኑ እንተዝመሓየሽ ነይሩ፡ ኤ…እ! ኢልካ ዝግ ትብል ኢኻ።

እቶት ወርቂ ቢሻ ይኹን ካልኦት ኣታዊታት፡ ብዘይካ ናብታ ዘይትጸግብ ማዕከን ህግደፍ፡ ናብ ካልእ መዓላ ክውዕል ኣይረኣናን። ኣብ ስርዓት ኢሳይያስ ኣታዊ ወርቂ፡ ካብ ኮንትራባንድ ዝርከብ ዶላራት ይኹን ካልእ ሃገራዊ ኣታዊታት፡ ብዘይካ ንሱ ባዕሉን እቶም ብኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ ኣኽላባቱን ካልእ ዝፈልጥ ሰብ የለን። ባንክ ኤርትራ ከም ሃገራዊ ትካል መጠን፡ ዘድልዮ ናይ ወጻኢ ባጤራ ካብ ሓጎስ ክሻ ኢዩ ዝልምን። ኣማሓዳሪ ባንክ ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ ተኪአ በየነ ኣብ ሓደ ኢሳይያስ ዝነበሮ ኣኼባ “…እዚ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝርከብ ዘሎ ዶላራት ናበይ ይኣቱ ኣሎ? ንሕና ከም ባንክ ኤርትራ’ኸ ንሃገር ዝምልከት ዶላር ክንፈልጥን ክንሕዝን’ዶ ኣይግባኣናን ኢዩ?” ኢሉ ምስ ሓተተ ኢዩ ሹዑ ንሽዑ ኢሳይያስ፤ “…ተኪአ በየነ ብዙሕ’ውን ሓሚመ ጸሚመ ትብል ስለዘለኻ፡ ኣመት ጥዕናኻ እንተገብርካ ይሓይሽ። ስራሕካ ከኣ ንክብርኣብ ኣረክቦ” ኢሉ ኣደኪልዎ። ስለዚ ነፈርቲ ኲናት ኢትዮጵያ ድየን ወይስ ካልእ ስርሒት፡ እቲ ቀንዲ እስትንፋስ ዝህብ ዘሎ ትካል ቢሻ ብታርጌት እንተተሃርመ፡ ብዘይካ ምሕጻር ዕድመ ኢሳይያስ፡ ካልእ ናይ ህዝቢን ሃገርን ክሳራ የብሉን። ቀስ ብቐስ ኩሉ ብሓይልታት ምክልኻል ተዓጢዑ ዝነበረ ኣጽዋርን መራኸቢታትን፡ ናብ ደምህትን ተቓወምቲ ኢትዮጵያን ክሰጋገር ጸኒሑ ኢዩ። ስለዚ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፡ ከመይ ገይሩ ኢዩ ኤርትራዊ ሰብ ሃገርን መንግስቲን ኣሎኒ ክብል ዝኽእል? ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ሙሉእ ዘይጉዱል ባጀቶም ካብ ሽያጥ ወርቂ ቢሻ ምንባሩ ክንሰምዕ ጸኒሕና ኢና። ፈነወ ራድዮን ተለቪዥንን “እሳት” ብህግደፍ ከም ዝምወል ኣይዘንጋዕናዮን። ስለዚ ኣብ ቢሻ ቀርኒ ኢሳይያስ ኢዩ ተደርዒሙ ዘሎ።

ኣብ ማይ ዕዳጋ ዝነበረ ተተኮስቲ /ኤምዳድ/ መን ገባሪኡ ብዘየገድስ፡ ነዲዱ ዝብል ዜና ሰሚዕና ኣለና። እቲ መደሰቒ ንደቀባት ዝነበረ ዓረራት ህግደፍ ከም ዓርሞ ሓጋይ እንተነደደ፡ ግሩም ኮነ። ስርዓት ህግደፍ ክብተኽ እንተኾይኑ፡ ስትራተጂካዊ ትካላቱ ክብተኽ ኣለዎ። እቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ጅማት ኢሳይያስ ተተኺሉ ዝነበረ ኢንፍዩዥን ወርቂ ቢሻ’ምበኣር ደጊም ተበቲኹ ኣሎ። እቲ ምብታኽ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ዘገድስ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ፣ መልኣከ ሞት ጉራዴ ተዓጢቑ ንኢሳይያስ የንጸላልዎ ከም ዘሎ ኢዩ ግዜ ነጊሩና ዘሎ። እሞ ከምዚ ዝኣመሰለ ስርሒት እንተተሰለሰ፡ እንታይ ከይብለና! ሰልሶ ደኣ ይብላኻ ኣንታ ኣስናን ህግደፍ ዘጉረፍካ።

ከምዚ ንሰምዖ ዘለና፡ ብድሕሪ ዕንወት ወርቂ ቢሻ፣ ኢሳይያስ ንሰራዊቱ ኣብ ከባቢ ዶባት ፍኒሕኒሕ የብሎም ኣሎ። ኩሉ መራኽቢ ዜናታቱ’ውን ንምልዕዓል ዝምልከት ፈነወ ይዝርግሕ ኣሎ። ‘ኣረጊት ፈከረ፡ ግንቦት ኣዝመረ ኢልካ ኣይትእመን’። ብዘይ ዳንጋ ንባሕሪ ኣይውረድን ኢዩ። ህግደፍ ድማ ንክዕወት ዘይኮነስ፡ ዳግም ደም ህዝቢ ኤርትራ ንምኽዓው ቃታ ክስሕብ ይኽእል ኢዩ። ኣንታ ህዝቢ፡ ሎሚ ኣብቲ በንዚን ዝተነስነሶ ምድረ-ኤርትራ እታ ክርቢት ኣብ ክንዲ ብኣኻ ብኢሳይያስ እንተተወሊዓ፡ ኣዲዮ!

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

ማሕጎማ!

ማሕጎማ!
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/
23 መጋቢት 2015

ሓቂ ዝኾነ ዜናታት ኢዩ ዝስማዕ ዘሎ። ነቭሱን፡ ካናዳዊ ተሻራኺ ትካል ወርቂ ቢሻ’ውን ትማሊ 22 መጋቢት 2015 ብዛዕባ እቲ ኣብ ቢሻ ዝወረደ ዕንወት /Vandalism/ ጋዜጣዊ መግለጺ ገይሩ ኣሎ። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብድሕሪ ነዊሕ ኣብ ውሽጡ ዝዛሪ ዝነበረ ረሳሕ ደም፡ ሎሚ ተሓጒሙ ኣሎ።

ጎረቤት’ኳ ይረድእ ኢዩ። ለዋህ ጎረቤት ምርካብ ግን ዕድል’ዩ። ወዲ ሰብ ወይ ዕድለኛ ህዝቢ ከኣ፡ ከም ወዝቢ ለዋህ ጎረቤት ይፈጥረሉ ኢዩ። ኣብ ጎረቤትካ ወይ ነጸላ መንደቕካ ኣውያትን ገዓሮን ኣብ እትሰምዓሉ ግዜ፡ ናይ ሕልና ሓገዝ ንክትገብር ትሕተት ኢኻ። ናይ ሕልና ሓገዝ ኣብ እትገብረሉ ግዜ፡ ዋጋ ምኽፋል’ውን የጋጥም ኢዩ። ሕልና ከኣ እቲ ኣብ ወዲ ሰብ ጥራይ ዝርከብ ፍሉይ ተፈጥሮኣዊ ህያብ ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ሓደ ዘርኢ መርገም፡ ንደርዘናት ዓመታት ዝርንዝሕ ነቢዑ ኢዩ። ወይ መስደምም! ወዲ ሰብ’ዶ ን24 ዓመታት ብሓንቲ ሓለንጊ ይግረፍ’ዩ? ዝብኢ ብእግርኻ ንዝጀመሮ ምብላዕ ኣካላትካ፡ ክሳብ ጸጊቡ ዝኸይድ ኢልካ’ዶ ንሞት ትጽበያ ኢኻ? ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዝተጠምጠሞ ኣሰለት፡ ክቐትል ስለዘይከኣለ፣ ገንዘቡን ንብረቱን ምዝማት ጥራይ ከይኣኽሎስ፣ ደሙ’ውን ብሓደ ገበነኛ ውልቀ-መላኺ ንፍርቂ ዘመን ተመጽዩ ኢዩ። ነዚ ኣሰለት እዚ ንምቕታል ብዙሕ ፈተነታት ተገይሩ’ኳ እንተኾነ፡ ናይ ጽሕፍቶ ጉዳይ ግዲ ኮይኑ፣ ኣይሰለጠን።

እዚ ህዝቢ’ዚ ብሰንኪ እቲ ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ክሳብ ሎሚ ብገዛእ ገንዘቡን ንብረቱን ዘገበሎ ሓደገኛ ኣሰለት፡ ኣብ ፈቐድኡ ኡይይ! እናበለን እናገዓረን ኣብ ዘለወሉ ግዜ፡ ካብ ጎረባብትና ሃገራት ብሓፈሻ፡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ብፍላይ፣ ግብራዊ ረድኤት ብዘይምርካብና ክንሓሚ ጸኒሕና ኢና። እወ ከምቲ መንግስቲ ታንዛንያ ንገስረጥ ስርዓት ኢዲ ኣሚን ኣልያ፡ ንህዝቢ ኡጋንዳ ሃገር ዘረከበቶ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ልዕሊኡ ተደጋጋሚ ግብረ ሽበራ እናተኻየደ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ዓዋሉ ኣድማዒ ስጉምቲ ብዘይ ምውሳዱ፡ እወ ብልክዕ እምበር’ዶ ናይ ነገር ጣቋ’ዩ እናበልና ክንሓሚ ጸኒሕና ኢና።

እዚ ሎሚ ተጀሚሩ ዘሎ ማሕጎማ ከኣ፡ ክሳብ እቲ ረሳሕ ደም ኢሳይያስ ፈጹሙ ዝጽንቀቕ ዛውራይ ክደሊ’ዩ። ብድሕሪ እዚ ማሕጎማ’ዚ ብዙሓት እቶም ‘ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና’ ዝብሉ ኣኽላባትን ኮራኹርን ህግደፍ ዉሕዉሕ ክብሉ ኢዮም። ብዙሓት ኣድበይቲ’ውን ብስም ሉኣላውነትን ምኽባር ክሊ ኣየርን ክነብሑ ንክንሰምዕ ክንጽበ ኢና።

እዚ ዘራጊ ሰላም፡ እዚ ናይ ጥፍኣት ወኪል ዝኾነ ስርዓት፡ ምስ ኩላተን ንኤርትራ ብባሕሪን መሬትን ዘዳውባ ሃገራት፡ ኲናትን እምባጋሮን ክገብር 24 ዓመታት ዘቑጸረ ስርዓት ሸፋቱ፡ ኣገዳሲ ማሕጎማ ብዘይምርካቡ ናብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራት ኢዱ እናመለሰ ንሙሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣናዊጽዎ ጸኒሑ ኢዩ። ብፍላይ ድማ ምስ ጎረቤት ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ። እቲ ብምብራቕ፡ ብወገን ሶማል ሰራዊት ኤርትራ ኣዋፊሩ ዝጀመሮ ናይ ምብትታን መስርሕ ምስ ፈሸሎ፡ ክሳብ ናብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ ዓለም ዝኾኖኖ ግብረ ሽበራ ክገብር ከም ዝጸንሐ ምስክር ዘየድልዮ ርኡይ ሓቂ ኢዩ። ሓንሳብ ጋዜጠኛታት ብምጭዋይን ምቕታልን፡ ጸኒሑ ፈንጂ ምቕባርን ምዕግርጋርን ኣየቋረጸን። ‘ኣመል መስ መግነዝ’ ከም ዝበሃል፣ ገበነኛ ኢሳይያስ ክሳብ ዕለተ ሞቱ፡ ገና እከይ ተግባራት ካብ ምግባር ኣይክድቅስን ኢዩ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብዙሓት ናይ ዜና ማዕከናት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መዐደኒ ማእከል ወርቂ ቢሻ ዝተገብረ መጥቃዕቲ /ተርግእ/ ይዛረባ ኣለዋ። ስለዚ እቲ ኣብ ልቡ ረሳሕ ደም ዝጭንጉዕ ዝነበረ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ዕለት 20 መጋቢት ዘውግሐ ለይቲ፡ ማሕጎማ ረኺቡ ኣሎ ማለት ኢዩ። ማሕጎማ ካብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ! ዛጊት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ወይ ብስርዓት ህግደፍ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ’ኳ እንተዘየሎ፡ ‘ዘይተፈስወ ነይጭኖ” ከም ዝበሃል፡ እቲ ተጨንዩ ዘሎ ሓበሬታስ ሓቂ ኢዩ ዝመስል ዘሎ። ሰባት ኣብ ቢሻ ንነዊሕ ሰዓታት ዝቐጸለ ትኪ ከም ዝረኣዩ፡ ብመንገዲ ኣቑርደት ናብ ሳዋ ዝኸዳ ዝነበራ ተሽከርከርቲ ከም ዝተኸልከላን ብዙሕ ሸበድበድ ሓለፍቲን ከም ዝረኣዩ ሓቢሮም ኣለዉ።

እቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ጅማት ኢሳይያስ ተተኺሉ ዝነበረ ኢንፍዩዥን ወርቂ ቢሻ’ምበኣር ደጊም ተበቲኹ ኣሎ። ከምቲ ‘ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ’ ዝበሃል፣ ኣንቱም ኢሳይያስ ፍሽኽ እንተበለኩም ናይ ወርሒ ቀለብ ዝመስለኩም፡ ኣንቱም ንሱ እንተሓመመ ምስኡ እትሓሙ፡ ካብ ሎሚ ንደሓር’ምበኣር ጥዕና ቅበጹ። ኣንቱም ካብ ወርሓዊ ኣታዊኹም 2% ዶላር ብምኽፋል ንስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ከተናውሑ ዝጸናሕኩም ከኣ፡ ሕጂ ንሱ ክንዮ ዶላራት፡ 2% ደም ይደሊ ኣሎ’ሞ ሃየ ናይ ደም ወፈያኹም ኣይተጉዱሉ። ምኽንያቱ ሎሚ ኢሳይያስ ኣብታ እተሕምሞ ኣካሉ ኢዩ ተሓጒሙ ስለዘሎ።

‘ኣንታ ተሰማ፡ ኣብ ምንታያ ዲኻ ትሓጉማ!’ ምስ ተባህለ እቲ ሓጓማይ፡ “ኣብታ ተሕምማ” ኢሉ መለሰ ይበሃል። ሎሚ’ምበኣር ኣያኹም ኢሳይያስ ኣብታ ተሕምሞ መላግቦ ተሓጒሙ ኣሎ’ሞ 2% ደም ዝልግስ እንተሎ ሃየ ንሕጂ ርድኡ። መላቓሳይ ጸዊዕኩም’ውን ወየ በሉ። ወየ…! ኣንበሳ ናቕፋ’ዶ ኣይነበርካን፡ ወየ…ጂኦመትራ ገርሰት’ዶ ኣይኮንካን፣ ወየ…! ፕረዚደንት! ወየ! ኣቦ መንበር ህግደፍ! ወየ! ወየ…!! ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል’ዶ ኣይነበርካን፡ ኣበይ ደኣ ኣበለ ራዳርካ … ድቃስ ድሙ’ዶ ደቂሰን ሚጋትካ ወየ…ወየ በልሉ ኢኹም።

እዚ ቅልጽሙ እንተሓበጠ ዝዓንተረ ዝመሰሎ ቦኽባኹ ስርዓት ህግደፍ፡ ንመሬት ኣይትጽርኒ ይብላ ከም ዘይነበረ፡ ሎሚ ሕብእኒ ይበላ። ‘ንማዕጺድ ትውሕጥያ’ሞ ምውጽኣ ይኸፍኣኪ’ ከም ዝበሃል፣ ግብረ መልሲ ናይቲ ኩሉ እከይ ውጥናት ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ካምፖ ቦሎ፡ እነሆ ሎሚ ናብ ማይ ከም ኣኣተወት ኣንጭዋ ህጣም እቲ ግናይ ርክያሞኣ ጠፊኡ። ‘ድሕሪ ጥራጥ፡ እግሪ ምእካብ!’ ከም ዝተባህለ፣ ብቢሻን ብማይ ዕዳጋን ብድርብ መሰንገለታቱ ተሓጒሙ ክነሱ ከኣ ከም ወረጃ ኢዱን እግሩን ኣኪቡ ትም መሪጹ።

ማሕጎማ ግርም ዝኾነት መድሃኒ ኢያ ዝነበረት ቀደም ከምዚ ሎሚ ተክኖሎጂ ከይማዕበለ እንከሎ። ማሕጎማ ንዝተበላሸወ ወይ ዝረግአ ደም፡ ካብ ውሽጢ መጽያ እተውጽእ ቀርኒ ኢያ ዝነበረት። ንሕሙም ማሕጎማ ምስ ተገብረሉ፡ እቲ ዝተረፈ እኽብካብ ደም ናብ ሓደ ከባቢ ምስ ተዋህለለ፣ ዳግማይ ማሕጎማ ይግበረሉ ኢዩ። እዚ ዳግማይ ማሕጎማ ብቋንቋ ትግርኛ፡ ዛውራይ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሕጂ’ምበኣር ኢሳይያስ ግሩም ብዝኾነ ኣተሓጓጉማ ተሓጒሙ ስለ ዘሎ፡ መዐገሲ መድሃኒት ረኺቡ ኣሎ። ጽንሕ ኢሉ ትልኽ ምስ ጀመረ ግን ዛውራይ ክደሊ ኢዩ። ግሩም ርኤና በለ ኣባ ጊምባሕ በረኻ! እነሆ ድማ ኣብ ዕለት 20 መጋቢት ዘውግሐት ለይቲ፡ ግሩም ርኢና።

መዐደኒ ወርቂ ቢሻ እታ ንስቅያት ህዝቢ ኤርትራ መናውሒት ዝነበረት ትካል ኢያ። መዐደኒ ወርቂ ቢሻ እታ ንህግደፍ ቅልጽሞም ዘሕበጠቶም ጉድጓድ ኢያ። ቢሻ እታ ሕልሚ ኢሳይያስ ንክትትግብር ትጽቢት ዝተገብረላ ወርቂ ዝመልአት እንተሊ ኢያ። እህምምም! ከምቲ ‘በጥ በል ሽደን፡ ብጻይና ኣይኮነን ወደያ ግብረቱ’ ዝበሎ ሰብኣይ በዓል እምባደርሆ፤ ሕጂ’ዶ ይሓይሽ ኢሳይያስ ደኣ’ሞ ከይሰሓቑኻ ምስሓቕ? እታ ኣብ እግሪ ደብር ቢሻን ከባቢ ዓድ ገናድን እትርከብ መዓደኒት ትካል፡ ደቃ ኣብ ሲናይን ባሕሪታት ብካዕበት ይሃልቁን ይስደዱን፡ ኣባይቲ ህዝቢ ብዶዘራት ይዓኑ፡ መንእሰያታ ኣብ ሓመድ ሳዋ የንገርግሩን ንደቂ ደምህትን ደቂ ግንቦት 7ን ድማ ትቕልብን ትከናኸንን ዝነበረት ቅሚጦ ኢያ።

ብዛዕባ ቢሻ ብዙሕ ኢዩ ተዘሪቡን ተባሂሉን። ‘እንዳ ጃህራ ድራሮም፡ ሸውዓተ መጎጎ ኣጒዶም ጾሞም ይሓድሩ’ ከም ዝበሃል፡ ካብ ቢሻን ወርቂ ቢሻን ከኣ ብዘይካ ጃህራን ብደዐን ንህዝቢ ዝዕደል ቅጫን ሃንዛን ኣይረአናን። ክንደይ ጃህራ ዘይሰማዕና! እንቋዕ ደኣ ምዕዳን ቢሻ ተጀመረ’ምበር፡ ኤርትራ ወርቂ ንወርቂ ክትተፍእ ኢያ፡ ወይልኹም ጸላእቲ ኢሳይያስ ክበሃል ሰሚዕና። ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝነበረ ግርማይ ገብረማርያም /ሳንቲም/ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ “… ኤርትራውያን ደቀንስትዮ እቲ ኣብ ቢሻ ዝወደቐ ንጋፍ ወርቂ ጥራይ ንስልማት ይኣኽለክን ኢዩ” ኢሉ ነበረ።

ኣንታ ዓሻ መጣቕዒ ህዝቢ! ኣሎ ተካል ዕልልታ፡ ኣሎ ከኣ ርሑስ ኣውያት! ኣንታ ብርሑስ ኣውያት እትስዕስዕ ህዝቢ፡ ኣንታ ምቁር መርዚ ህግደፍ ዘይኮኽየካ ማህቡል! ቢሻን ወርቂ ቢሻን’ኳ ንብረትካ ንብረት ኤርትራውያን ኢዩ። እንተኾነ ገበነኛን ገባቲን ስርዓት ኣብ ሃገር ክሳብ ዘሎ፡ ኩሉ ኣብ ልዕሊ መሬት፡ ትሕቲ መሬትን ማእከል ባሕሪን ዝርከብ ጸጋታት ኤርትራ፡ ዝብጻሓና ኣይኮነን። ኢሳይያስ ብሂወት ክሳብ ዘሎ ወርቂ፡ ባህርያዊ ጋዝ፡ ነዳዲ፡ ፖታሽ ወ.ዘ.ተ… ኣይንታይናን ኢዩ። ክንድ ዝኾነ ኢዩ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሰሙናት፡ እልቢ ዘይብሉ ዶላራት ኣብ ባንክታት ስዊዘርላንድ ከም ዝተቐመጠ ዝተፈልጠ።

‘ኣነ ዝምነ ወርቂ ቢሻ፡ ኢሳይያስ ዝሃበኒ ክላሽን ራሻ’ እዚ’ውን ድንቂ ዝኾነ ደርፊ ኢዩ። እዚ ኣረጊት ስርዓት መንእሰያት ወዲኡስ ሎሚ ናብ ኣስናንኖም ዝወድኡ ደቂ ስሳን ሰብዓን ምዕጣቕ ኣትዩ ኣሎ። ኣብዚ ርእሰ ምትእምማን ኣጥፊኡሉ፡ መኣዝኑ’ውን ተዘናቢሉሉ ዘሎ ናይ ጽልግልግ ግዜ፡ ከምቲ ቦምባ ትኪ ደርብዩ ዝሃድም ደባይ ተዋጋኢ፡ ኢሳይያስ ክንሃድም’ውን ናይ ኣጥፊእካ ምጥፋእ ላኼማ ምግባር ክህቅን ከም ዝኽእል ንግምት።

ስለዚ ኣንታ ህዝቢ! መመሊስካ ናብ ክትወጽኦ ዘይትኽእል ህጉም ከይትሽመም፡ ሰናድርካ ኣይትዓበስ፤ ሕጂ ንገበነኛ ኢሳይያስ በቲ ዓጢቕካዮ ዘለኻ ሰናድር ኣላህሞ። ድሕሪ እዚ ፍጻሜ’ዚ ሰበብ ክህሉ ኢዩ። ከምቲ ‘ኣብ ክንዲ ንቀራናት፡ ንጓዕማማት’ ዝበሃል፡ ግብረ መልሲ ናይዚ ወሪዱዎ ዘሎ ከቢድ ማሕጎማ፡ ንብዙሓት ሰባት ክኣስርን ክቐትልን ክንጽበ ኢና። እዚ ከኣ እቲ ኢሳይያስ ንፍርቂ ዘመን ዝሰርሓሉ ሜላ ምዃኑ ስለ እንፈልጥ፡ ዘይተርፍ ዕዮ ኢዩ። ወዮ ብቀደሙ ክፉእ ስኒ፡ እንጣጢዕ ቁሒሙ ይስሕቀኒ! ሕጂ ከኣ መመኽነይታ ስለዝረኸበ፡ ንምእሳር ኣጻዊዱሎም ዝጸንሐ መኮንናት ክለቕሞም ከም ዝኽእል ከይደቀስና ዝሓለምናዮ ጉዳይ ኢዩ።

ግሩም ማሕጎማ! ኣንታ ደላዪ ፍትሒ ኤርትራዊ፡ ብስሙር ድምጺ ዘይከምዚኣ’የ ደልየ፡ ዘይከምዚኣ’የ እናበልካ ሓባሪ ኮምፓስካ ኣስተኻኽል። ግሩም ማሕጎማ! እወ፡ ኣንታ ኦሮማይ!! ኢልካ ኣብ ደረት ቅብጸተ-ተስፋ ዝጸናሕካ ደምበ ተቓውሞ፣ እታ ንነዊሕ ዓመታት ዓለባ ሳሬት ዝተሸፈነት ቢኒኮሎኻ ወልዊልካ ኣነጻጽራ። እወ! ከምቲ “…ይመልኣዮ” ዝበሎ ኣቦይ ተኸስተ በዓል ዓዲ ንፋስ ድማ፡ ማሕጎማ ንኢሳይያስ ይመልኣዮ።

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

እቲ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዕደና ወርቂ ብሻ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ መን ፈጺምዎ ኣይኮነን እቲ ቀንዲ መዛረቢ ክኸውን ዝግበኦ፡

እቲ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዕደና ወርቂ ብሻ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ መን ፈጺምዎ ኣይኮነን እቲ ቀንዲ መዛረቢ ክኸውን ዝግበኦ፡

እቲ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዕደና ወርቂ ብሻ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ንሕና ከም ደለይቲ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ተኣሊዩ ሕጋዊ ስርዓት ክትከል ኢና ንደሊ፡ እዚ ካብ ኮነ ድሊአትና ነቲ ስርዓት ዘጥፍእ ብዝኾነ ማእዝን ኢምጻእ ንሕና ነቲ ዘገድሰና ለውጢ ጥራሕ ኢና ክንሕዝ ዘለና፡ ካብዚ ሓሊፍና ግን ኢትዮጲያ ባዕሎም ደብዲብና ክሳብ ዘይበሉ ኩስቶ ገራቶ ኢልካ ካብ ምዝራብ ነቲ ስርዓትን ንደገፍቱን ኣጀንዳ ካብ ምኽፋት ሓሊፉ ንሕና ደለይቲ ንለውጢ ንረኽበሉ ረብሓ የለን።

ልክዕ’ዩ ብ 20 መጋቢት 2015 ሰዓት 04፡30 ወጋሕታ ወርቂ ብሻ ከም ዝነደደን ካብ ስራሕ ወጻኢ ከምዝኾነን ተራጋጊጹ ኣሎ። ኣብ ሃደ እዋን ግዜን ሳዕትን ንጽባሒቱ ኣብ ማይ ዕዳዳጋ ዲፖ መዕደሊ ነዳድን፡ ኤምዳድ መዕቃበ ብረትን፡ ዕለት፡ 21 መጋቢት ሰዓት 04፡30 ወዳሕታ ሓደስቲ ሚሳይላትን ብረትን ዘጣቓለለ ሰፍ ዘይብል ንብረት እውን ተቓጺሉ ኣሎ።

 

ሰናድርካ ኣይተዓበስ ህዝበይ!

ሰናድርካ ኣይተዓበስ ህዝበይ!
20 መጋቢት 2015
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/

ጅግና ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻልን!

እቲ ‘ዱላ ኣብ ኢድካ፡ ተመን ኣብ ቅድሜኻ’ ዝብል ኣበሃህላ ጀጋኑ ወለዲ፣ ዕሙቕ ዝበለ ውስጠ-ዘ ዘለዎ ብሂል ኢዩ። በትሪ ኣብ ኢድካ እንከሎ፡ ነቲ ኣብ እግርኻ ዝተጸግዐ ተመን እንተዘይቀቲካዮ፡ ንነፍስኻ ቅበጻ ማለት ኢዩ። ወዮ’ኳ እቶም ሰብ ጋሽ-ሰቲት፡ ኣሰለት ደሞም ሰትያ ንክትቀትሎም ምስ ተጠምጠመቶም፣ ካራ ኣውጺኦም ዝቐትሉዋ፣ ንስኻ ኣንታ ሰናድር ዝዓጠቕካ ህዝቢ ድማ፡ ነዚ ደምካ ዝሰቲ ዘሎ ኣሰለት ሎሚ ንሰናድርካ ኣዛርቦ’ሞ፡ ብተኮ። እወ፡ ሰናድርካ ኣይተዓበስ ህዝበይ!

ኣብዚ እነሀኻ ድንቂ! ጉዳይና ጉዳይ ኤርትራውያን’ምበኣር ከምዚ ኢዩ ዘሎ። ሰናድር ኣብ ኢድና እንከሎ፡ ብሓደ ተመን ኣጻምእ ንመዋእል ተነኺስና ኢና። ስለዚ ሕጂ’ውን፡ ‘ዝመጸ ከይመጸ ብርኩታኻ ንጸ’ ከም ዝበሃል፡ ኣንታ ሰናድር ኣብ ኢድካ ዘሎ ኤርትራዊ፡ እዛ ሃገር ናብ ዘይውጻእ ደልሃመት ከይተሸመመት እንከላ፡ ኣዕጽምቲ ስዉኣትና ካብ ጎዳጉዲ ከይተተፍአ እንከሎ፣ ሎሚ ብተኽ’ሞ ነቲ ዓባስ ሰናድርካ ኣዛርቦ። ሓቂ’ዩ፡ ብደገ ለውጢ ንክመጽእ ንብዙሕ ዓመታት ሃንቀው ኢልካ ኢኻ ህዝበይ። ግን ‘ኣይከም ኣዴኻ ዝለኣኸትካን፡ ዕዳጋ ከም ዝጸንሓካ’ዩ’ ኮይኑ ዘሎ ነገሩ። ንደምበ ተቓውሞ ብዝምልከት፡ ወላ’ኳ ንብዙሓት ሰባት እቲ ሓቂ ዝኾኹዮም እንተኾነ፡ ትኽክለኛ ትንታኔን ምግባር ግን ሰዓቱ ሎሚ ኢዩ። ደምበ ተቓውሞ፡ ከምቲ ‘ንስኺ’ዶ ከይትበልዒ ሸዊት፡ ኣነ’ዶ ከይሕዛ ነዊት፣ ተተሓሒዝና መስከረም ንመውት’ ዝበሃል፡ ንሱ ኣይበልዕ፡ ኣየብልዕ ኣዝዩ ብብዙሕ ሕማማት ዝማህመነ ንጹፍ ኢዩ። ካብ ንጹፍ ደምበ ከኣ፡ ለጋዕን ብርኩታ ለጋዕን ትጽቢት ኣይግበረሉን ኢዩ።
ደምበ ተቓውሞ ኣይኮነን’ዶ ነዚ ነቀይ-ነቀይ ዝብል ዘሎ ስርዓት ኢሳይያስ ኣልዩ ህዝባዊ መንግስቲ፣ ቅዋማዊ ስርዓት፡ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ክተክልሲ፡ ካብ ወጋኢት ላም ከድሕን ዘይክእል ዶምባይ ቀርኒ ከም ዘይብሉ ብዕራይ ሰነ ኢዩ። እዚ ን24 ዓመታት ፖለቲካ ዝጎስዐ ደምበ ተቓውሞ’ዚ፡ ኣብ ሓንቲ ባይታ ጋም-ማን ክብል ዝነብር ጉጅለ ኢዩ። ደምበ ተቓውሞ፡ ማለት ሕልሚ ውድባትን ሰልፊታትን፣ ስርዓት ህግደፍ ባዕሉ ወይ ብውሽጣዊ መስርሕ ምስ ወደቐ፣ ከምቲ ሽመት ዝለመደ ሰብ ንሩባ ወሪዱ፡ ‘ንስኽን ቅድሓ፤ ንስኽን ድማ ጽንሓ’ ይብል ዝበሃል ምስላ፣ መራሕቲ ውድባትን ሰልፊታትን ከኣ ንዓኻ ከመሓድር ዝህንጠ ዘሎ ጉጅለ ኢዩ። ስለዚ ፍታሕ ካብ ሰናድርካ ኢዩ’ሞ፡ ሰናድርካ ኣይተዓበስ ህዝበይ!

እቶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገሹን ዝመላለሱን ዘለዉ ኣብ ክሳውዶም ክራቫታ ዝኣሰሩ፡ ብሽቑረራ ዝነብሩ ወረጃታት ማዕዶ ኢዮም። ናይ ርእይቶን ውሳኔን ናጽነት ዘይብሎም፡ ሕልንኦም ጸቒጦም ዝነብሩ ሰባት ኢዮም። ገሊኦም ናትካ ፕረዚደንት፡ ገሊኦም ሚኒስተራትካ፡ ገለ ድማ ጀነራላት ኤርትራ ንክኾኑ ዘንባሁቑ ዘለዉ፣ ገለ’ውን ሕዱር ሕነ ንክፈድዩ ድቃስ ዝሰኣኑ ሓለምቲ ኢዮም። ልዕሊ 33 ውድባትን ሰልፊታት ኣለዋ ክበሃል እንከሎ፡ ንመስደምም’ዶ ኣይኮነን? ገለ ብሄራውያን፡ ገለ ሃይማኖታውያን፡ ገለ’ውን ጸቢብ ኣቀዋውማ ዘለወን ውድባት ኢየን። ንውድብ ከም ፖለቲካዊ መደያይቦ ዘይኮነስ፡ ከም ሃይማኖታዊ ትካል ዝርእያ’ውን ኣለዋ። ገለ መራሕቲ ውድባት ከኣ፡ ነቲ ፖለቲካ ከም ንግዳዊ ልቸንሳ ዝጥቀሙሉ ኣይሰኣኑን ኢዮም። ብሓጺሩ ደምበ ተቓውሞ ናይ ቀረባን ርሑቕን ውጥናት ዘይብሉ፡ ፈታዊኡን ጸላኢኡን ብትኽክል ዘይፈልጥ፡ ከምቲ ውሕጅ መሕደሪኡ ከይፈለጠ ኣጉናድ ተሰኪሙ ዝኸይድ፡ ተቓወምቲ ውድባት ድማ መዕለቢአን ዘይፈልጣ ጋሻ ውሕጅ ኢየን እንተበልኩ ኣየጋነንኩን። ስለዚ ካብ ኤርትራ ጋሻ ክወጽእ በዓል ቤት ንክኣቱ፡ ሰናድርካ ኣይተዓበስ ህዝበይ!

ኣብ ብለቓት ሳሕል፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 1975 ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ፡ ነቲ ሽዑ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት መሪሕነት ዝነበረ ሓርበኛ ኣቦና መሓመድ ዑመር /ኣቡ ጥያራ/ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ክንመሃር ጸናሕናዮ። ብኣስተርጓማይ ገይሩ ከኣ “እንታይ ትገብሩ ኣለኹም” ኢሉ ሓተተና። ንሕና ፖለቲካ ንመሃር ከም ዝነበርና ነገርናዮ። እታ ኣቦና ኣቡ ጥያራ ሽዑ ዝበለና ዘይትርሳዕ ዘረባ፤ “…ፖለቲካ በትሪ ሕማቓት ኢያ። ብዘይካ ኣብ ወተሃደራዊ ፍታሕ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ፍታሕ ጥራይ ኣይትእመኑ” በለና። ስለዚ ሎሚ’ውን፡ ነዚ ብሓጺን ዝሃርመና ዘሎ፡ ብሰናድር ምጭልጋሙ ጥራይ ኢዩ ፍታሕና። ስለዚ ፍታሕ ካብ ሰናድርካ ኢዩ’ሞ፡ ሰናድርካ ኣይተዓበስ ህዝበይ!

ፖለቲካ ደምበ ተቓውሞ፡ ግብሪ ዝረሓቖ ገበጣ መሕለፊ ግዜ ኢዩ። ቀደም ኣብ ውድብ ህዝባዊ ሓልታት ዝነበረ ጭርሖ “ኣብ ዘለናዮ ሰልፊ ዓወት ወይ ሞት!” ኢዩ ዝብል ዝነበረ። ሓንቲ ኣብ ክፍሊ ታዕሊም ዝነበረት ሓዳስ ኣሃዱ ደቀንስትዮ ተዓሊማ ምስ ወደአት፡ ዓላሚት “ብሰላም ዕረፍ” ምስ በለት፣ ተዓለምቲ ከኣ፡ “ኣብ ዘለናዮ ሰልፊ ዓወት!” ኢለን ጨርሓ። እታ ዓላሚት ነገሩ ደንጽዩዋ፣ “ወይለየከይ ኣበባ! እቲ ሞት ከደኣ መን ኢዩ ክሞተልክን?” ኢላ፣ ከም ብሓድሽ ነቲ ጭርሖ “ኣብ ዘለናዮ ሰልፊ፡ ዓወት ወይ ሞት” ብምባል ኣድገመተን። ሎሚ ከኣ እነሀልካ ራእሲ! ተወፋይነት ዘይብለን ውድባትን ሰልፊታትን፡ ካብቲ ጸቒጡካ ዘሎ ደናጉላ ህግደፍ ንወላ ሓንቲ እምኒ’ውን ክፍንቅላ ዝከኣለን ኣይኮነን። ስለዚ ፍታሕ ካባኻ ኢዩ’ሞ፡ ሰናድርካ ኣይተዓበስ ህዝበይ!

ኣብ ደምበ ተቓውሞ ከኣ ሕልማዊ “ዓወት” እምበር “ዓወት ወይ ሞት” ዝብል ተወፋይነት የለን። ሎሚ ቅነ እዞም ናይ ፖለቲካ ነጋዶ፡ ‘ርሑቕ ዓዲ መሐሰዊ’ ከም ዝበሃል፡ ዘይወዓልዎ ውዒልናዮ፡ ዘይተገብረ ስርሒት፣ ክእመን ብዝኽእል ኣገባብ፡ እጹብ ድንቂ ብዝኾነ ኣቀራርባ ዓቢ ወተሃደራዊ ስርሒት ሰሪሕና ዝብሉ ዘለዉ ናይዚ ዘመን’ዚ ቱንቱላታት ኢዮም። ኣብ ኤርትራ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝተሰርሐን ዝተዓወተን ስርሒት ኣሎን የለን ከኣ ንስኻ ኢኻ ምስክሩ። ኣብዚ ዘለናዮ ጽንኩር ግዜ፡ እቲ ብውድባትን ሰልፊታትን ክዕመም ዝግበኦ ዝነበረ፣ ህዝቢ ንምድሓን ዝተዋፈሩ/ዝተዋፈራ ኤርትራውያን ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ውልቀ-ሰባትን ምስጋና ይግበኦም ኢዩ። ብካልእ ሸነኽ’ውን እዘን ዝርካበን ሓበሬታ ዘቕርባ ዘለዋ ሚድያታት ደለይቲ ፍትሒ እውን ክምስገና ይግበአን። ንሳተን ከም ሳተላይት ናብ ኩሉ ከባቢታት ኤርትራ እናዳህሰሳ፡ ዓቕመን ዝፈቕዶ ሓበሬታ ይምግባና ኣለዋ። ንኩሉ ከም ኣረጊት ጨርቂ ዝተበታተነ ጉዳያትና ናብ ሓደ ንምምጻእ ድማ፡ ሎሚ ንሰናድርካ ኣዛርቦ ህዝበይ።

ጅግና ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻልን!

እታ ለይቲ ብኣኻ ኢያ ክትወግሕ’ሞ ሎሚ ሰናድርካ ኣስተኻኽል። እቲ ዓጢቕካዮ ዘለኻ ጨርባሕባሕ ዝብል ዓረራት ንመን ከም ትሃርመሉ ዘክር። ብበትሪ ንዝድስቐካ፡ ካብ ገዛእ ገዛኻ ብመኾስተር ንዘባርረካ ጸላኢ ብኢድካ ክትከላኸሎ ዝከኣል ኣይኮነን። ብዓረር ንዘጥፍኣካ ጸላኢ ከኣ፡ ብጸርፊን ፖለቲካዊ ወፍርታትን ጥራይ ክትስዕሮ ተመኩሮ ሰውራ ኤርትራ ይመስክር። ኦ! ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለኻ ጅግና ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መንጎ ሞዶሻን ኡንኲዲኖን ተቐርቂርካ ከም ዘለኻ፣ ብዓይኒ መርፍእ ትሓልፍን ኣብ ብልሒ መላጸ ረጊጽካ ከም ዘለኻን ንፈልጥ ኢና። ብልክዕ! ተስፋና ግን ካባኻ ኢዩ። ዋልታ ሃገር ድማ ንስኻ ኢኻ። ህዝቢ ጥሜትን ግፍዒን ጥራይ ከይኣኽሎ፡ ሎሚ ኣብቲ ፈጺሙ ዝደኸየሉ ግዜ፡ ኣባይቱ ብዶዘራት ይፈርስ ኣሎ። እቲ ዓጢቕካዮ ዘለኻ ሰናድር ደኣ ዘይትትብትቦ! ናብቶም ነኸስትኻ ዝኾኑ ውሑዳት ኣትማን ንከተነጻጽሮ ግዜ ይጽውዓካ ኣሎ’ሞ ሰናድርካ ኣይተዓበስ።

ዘዝጎበዘ ተሪፉስ፡ ዘዝነውሐ ግፋ መንእሰያት ጥራይ ከይኣክል፡ ክቖርቡን ክሰግዱን ዝግበኦም ደቂ ስሳን ሰብዓን፡ ሰብ ትካላትን መራሕቲ ታክሲን ንብረቶም ረጊጦም፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓጠንቲ ኣድባራትን ከይተረፉ ኢዮም ብረት ዓጢቖም ኣብ ታዕሊም ዝዘባዘቡ ዘለዉ። ትማሊ ፍታሕ ክትከውን ዝነበራ ዓረር ወዲ ዓሊ፡ ኣይተዓወተትን። ሎሚ’ውን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓንቲ መፍትሒት ጥራይ ኢያ ተዃዕኒና ዘላ፡ ፍታሕ ብሰናድር!! ሽግር ኤርትራ ዘለኣለማዊ ንክፍታሕ፡ መቓብር ጀጋኑ ስዉኣትና ንክቐስን፡ መልክዕ’ዛ ሃገር ንክምለስ፡ ህልቂት ባሕሪን ሲናይን ንከብቅዕ፡ ድርሙም ኣራእስ ኣዴታት ንክፍታሕ፡ እዚ ብዜጋታት ተዓጢቑ ዘሎ ብረት’ዚ ናብቲ ከም ንጉሰ ወዲ እልፉ ባዕሉ ዝነገሰ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክነጻጸር ኣለዎ። መዓስ? ሕጂ! ንሱ፡ እዚ ብደም ኤርትራውያን ዝተሓጽበን ዝጎስዐን ገበነኛ፡ ኣብ ጸጽባሕ ንህዝቢ ከም ሰላጣ እናቐርደደ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፡ ናብኡ ዝኾነ ሓጺን ከነነጻጽር የብልናን ዝብል ፍልስፍና ንኤርትራውያን ዘጥፍእ’ምበር ዘድሕን ኣይኮነን። ስለዚ ሰናድርካ ኣይተዓበስ!

‘ደርሆ፡ በምዑት ደቃ ትጻወት!’፡ ሎሚ ግን ከም ግዛዕ ኮይኑ። ብዙሓት ደቂዛ ሃገር ህዝቦም ብሓጻውን እናተደሰቐ፡ መንእሰይ ኣብ ኮንተይነር እናማሰነ፡ ዒራዒሮ ዝወለደተን ኣብያተ ማእሰርቲ መመሊሰን እናኻዕበታ፡ ዘቑጸልጸለ ፖለቲካ ከዘውትሩ ይስምዑ ኣለዉ። ኢሳይያስ፡ ካብታ ንሜዳ ኤርትራ ዝተሰለፈላ ቅርስስቲ ዕለት ክሳብ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይካ ብማእሰርቲ፡ ጭፍጨፋን ምርሻንን ብካልእ መንገዲ ኣይሓዞን። ማእሰርቲ ብማእሰሩ ድማ መግለጺ ቃላት ዘይርከቦ መሰክሕ!! ሃገር ን24 ዓመታት መመላእታ ብዘይ ሕጊ፡ ብፋሉላዊ ኣገባብን ስርዓተ ሽፍትነትን ትመሓደር ኣላ። ንሱ ንዓና ብዘይ ንሕስያ ክቕንጽል ፍቑድ፡ ንሕና ግን ኣብ ልዕሊኡን ደቀ መዛምርቱን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ንክንወስድ ኩኑን ዝገብር ሕጊ እንታይ ኢዩ ዝበሃል?

‘ምስ ሕሱም ኣይትቑጸር ስንቅኻ፣ ቅድም ተሰከመን፤ ደሓር’ውን በርኩተን ይብለካ!’ እዚ ንዓና ዝምልከት ብሂል ኢዩ። ብዙሓት እከያት ተግባራት ኢዮም ሓሊፎም ኣብ ዘመነ ህግደፍ። እቲ ህዝቢ ደም ንክጥዕሞ ኣብዚ እዋን’ዚ ብስርዓት ኢሳይያስ ዝካየድ ዘሎ ኣባይቲ ናይ ምፍራስ ወፍሪ፡ መመሊሱ ናብ ይቕጽል ኣሎ። ንሕና ኤርትራውያን ናይ ጽሕፍቶ ጉዳይ ኮይኑና፣ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ን21 ዓመታት ካብ 1970 ክሳብ 1991፤ ደሓር’ውን ካብ መጀመርታ መዓልቲ ናጽነት ን24 ዓመታት ምስ ሕሱም ኢሳይይስ ተላፊንና።

ከም ህዝቢ እስራኤል ኣብ ትሕቲ ፎርዖን፣ ንሕና ኤርትራውያን’ውን ኣብ ትሕቲ ሕሱም መግዛእቲ ኢሳይያስ ን44 ዓመታት ብሓንቲ ጩግራፍ ተገሪፍና ኢና’ሞ፡ ሰናድርካ ኣነጻጽር ይኣክል በል ህዝበይ።
ይዋእ! እቶም ዝተሰውኡን በብወርሓቱ ዝሃልቁ ዘለዉንሲ ዕጨ-እምኒ ጸቒጥዎም ኢዩ። ዝርእዩዎን ዝሰምዕዎን ዕንወት ኣባይቲን ሃገርን፡ ሞትን ወረ ሞትን የብሎምን። ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ኢሳይይስን ስርዓቱን ኣብ ልዕሊ መሬት ብሂወት እንከለኻ፣ ካብ ምዉታት ንላዕሊ ካብ ህሉዋት ከኣ ንታሕቲ ተቖጺርካ ዝተረፈካ የለን’ሞ፡ ሕጂ በቲ ዓጢቕካዮ ዘለኻ ህያብ ስዉኣት ዝኾነ ሰናድር ሓንቲኣ ወስን። ኣብ በዓቲ ኢሳይያስ ኣድብዮም፣ ደምህትን ውሉፋት ደም ዝኾኑ ሓይልታትን፡ መዓልቱ ከም ዘሕለፈ መድሃኒት ንክጉሕፉኻ ኣሸበሸብ ይዳለዉ ኣለዉ’ሞ ከም ኣረነ ባሕሪ ካብ ዛዕጎልካ መሰስ በል።

ጅግና ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻልን!

ን18 ዓመታት ብምኽንያት ግፋ ብኣባትር ደቅኻ ዝተሃረምካዮ ከይኣክል፣ ሎሚ ኣብዚ ዝደኸኻሉ፣ ዝጠመኻሉን ዝጸምእካሉን ሕሱም እዋን ድማ፤ ብደቂ ትግራይ ብዴምህት ንክትህረም፡ ጨቖቕ ኢልካ ዝሰራሕካዮ ኣባይትኻ ከይተመረቐን እፎይ ኢልካ ከይሰፈርካዮን ንሃዶሽዶሽ ተፈሪዱ። ደጊም ንሞት ተፈሪድካ ኣለኻ’ሞ መንገዲ ኢሳይያስ ናበይ ገጹ ምዃኑ ኣስተዕል ህዝቢ ኤርትራ።
ተቓውሞኻ ወላ’ኳ ንምሕንኳሉ ብዙሕ ገመዳት ተጻዊዱሉ እንተኾነ፣ ኣብ መንጎ ዘብዘብን ስጉሚን ስለዘሎ፡ ብትብዓት ቀጽሎ።

ጅግና ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻልን!
ሰናድርካ ኣይተዓበስ!
ብሓደ ድምጺ፡ ሞት ክናና ንኢሳይያስ በል።

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!