ውሽጣዊ ነውጽን ኣድማሳዊ ተነጽሎን ኤርትራዊት ቤተክርስቲያን ተዋሕዶ ጠንቁ እንታይ እዩ? መፍትሒኡ’ኸ?

ውሽጣዊ ነውጽን ኣድማሳዊ ተነጽሎን ኤርትራዊት ቤተክርስቲያን ተዋሕዶ ጠንቁ እንታይ እዩ? መፍትሒኡ’ኸ?

ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፤ ብውሽጢ ከቢድ ነውጽን ምፍልላይን፡ ብግዳም ድማ ተነጽሎ ካብ ኣድማሳዊ ማሕበር ኣብያተ ክርስቲያናትን ካብ ኣሓት ኦርቶዶክሳውያን ኦርየንታልን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣጋጢምዋ ትርከብ። ጠንቂ ናይዚ ፍጻመ እዝን ካልእን ዝድህስስ መጽናዕታዊ ጽሑፍ በኸምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ኣሎ

  1. ተልእኾ ቤተክርስቲያን እንታይ እዩ? ቤተክርስቲያን ተልእኾኣ እንተዘይፈጸመት ኣብ ህዝብን ሃገርን እንታይ ጉድኣት ይበጽሕ?
  2. ኩነታት ኤርትራዊት ቤተክርስቲያን ተዋሕዶ ቅድምን ድሕሪ ነጻነትን እንታይ ይመስል?
  3. ምስ ነጻነት ሃገርና ምምሕዳራዊ ነጻነት ረኺባ ንትንሣኤ እተማዕዱ ዝነበረት ቤተክርስቲያን ተዋሕዶ ብኸመይ ናብዚ ሕጂ ኣትያቶ ዘላ ደልሃመት ወደቐት?
  4. ኣብ መፋርቕ 2005 ኣብ ልዕሊ ቤተክርስቲያን ተዋሕዶዝተፈጸመ ማንም ዘይተጸበዮ ሓደጋ ዘኸተሎ ዕንወት እንታይ ይመስል?
  5. ካብዚ ቤተክርስቲያን ተዋሕዶኣትያቶ ዘላ ናይ ውድቀት መገዲ ብኸመይ ኪትወጽእ ትኽእል?
  6. መዛዘምን ለበዋን ንውሉደ ክህነት፡ ምእመናንን ንኡስ ወለዶን ዝብሉ ኣገደስቲ ኣርእስቲ ይርከብዎ። ነቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቕ, PDF, 1.36 MB

ወዳጀ ልምዓት ብጽንዓት!

ወዳጀ ልምዓት ብጽንዓት!

ሎሚ ኣብ ድሮ እቲ መዳርግቲ ኣልቦ መስዋእቲ ከፊልና ትእምርቲ ዝሰራሕናሉ፡ 24 ግንቦት መዓልቲ ሓበንን ክብረትን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት፡ ክብርትን ፍልይትን ዕለት ናጽነት ኢና ንርከብ ዘለና፡፡ መበል ዕስራን ኣርባዕተን ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ 2015፡፡ ኣብዚ ሕጽር ዝበለ ትሕዝቶ ዝሓዘ ንእዋናዊ ጉዳያት ኣጉሊሑ ዘርእይ ጽሑፈይ፡ ትርጉም ናጽነትን ንናጽነት ዝኸፈልናዮ ኩቡር ናይ ህይወት ዋጋን ብዝርዝር ንምርኣይ ኣይኮነን፡፡ እቲ ምንታይ ትርጉም ናጽነትን ንናጽነት ዝኸፈልናዮ ከቢድ ዋጋን ንህዝቢ ኤርትራ ምንጋር ማለት ንቐባሪ ምርዳእ ዝዓይነቱ ኢዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት እንታዩ ትርጉሙን መቐረቱን ገና ብኣግኡ ዝፈለጠን ዝተረደአን ህዝቢ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነʼዩ ድማ፡ ንኣስታት ሓደ ዘመን እቲ ሳላሳ ዓመታት ካብኡ ጠበንጃ ኣልዒሉ፡ ከቢድን ዝተሓላለኸን ቃልሲ ዘካየደ፡፡ ኣብቲ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝተሳተፎ ንኣዳም ገረሞ መስገደል ገድሊና፡ ናጽነትና ክዉን ንምግባርን ንምጭባጥን ዓሰርተታት ኣሽሓት ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ፡ መስዋእቲ ከፊልናሉ ኢና፡፡ የግዳስ ህዝቢ ኤርትራ ዓስቢ መስዋእቱን ከርተቱን ኣብ ናጽነት ብሓርነት ኣይተደበሰን፡፡ እቲ መዳርግቲ ኣልቦ ውዕለቱ ብመላኺ ጉጅለ ህግደፍ ተጠሊሙ፡፡ ክትኣምኖን ክትዛረበሉን ኣብ ዝኸብድ ጭቆና ወዲቑ፡፡ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ባርነት እምበር ነጽነት ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ኣይካኣልን፡፡ እሞ ድኣ ብኸመይ ኢዩ ልምዓት ብጽንዓት……?

እስከ ንማዕተብና ንዛረብን ምስክርነትና ንሃበሉን፡፡ ኣብዛ ከም ኣጻብዕቲ ኢድና ንፈልጣ ኤርትራስ ብሓቂ ልምዓት ኣሎ..? እንታይ ዝኦሙ ልምዓት ከ ኢዩ ልምዓት ብጽንዓት ዝበሃል ዘሎ…? ኣብዚ ዝሓለፍናዮ 24 ዓመታት መሪር ምልኪ ጉጅለ ህግደፍን ባርነትን ዕንወት እምበር፡ እዚዩ ዝበሃል ዝጭበጥን ዝድህሰስን ኣፍ ኣውጺኡ ዝዛረብን ልምዓት ኣበይን ብኸመይን ብመንን ኢዩ ተሰሪሑ፡፡ ህዝቢኸ ካብዚ ተሰሪሑን ለሚዑን ዝበሃል ዘሎ እንታይʼዩ ረቢሑን ተጠቒሙን…? ጉጅለ ህግደፍ ዕስራን ኣርባዕተን ዓመታት በዚ ዝተመንወ ዜምኡ ዓመት መጸት ኣጉሪዑን ተደቢሩ ሒሕ ኢሉን ኢዩ፡፡ ንሕና ድማ ኮቦሮን ጭራዋጣን ሒዝና ኣዳሚቕናሉ፡፡ ሎሚ ሎሚ እኳ እንተስ ሓርኢ ደርሆ ኣብሊዖሞ፡ እንተስ ትኪ ናይ ጎማ ዓጢኖም ኣሸቲቶሞ ካብቲ ሙኩሕ ተሓዚኡ ተገላጊሉ ኢዩ፡፡ ሲንጋፖር ትብል ቃል ረሲዕዋ ጥራይ ዘይኮነ ኣጥፊእዋ ውን፡፡ ኤእ ቀደም ነይሩ ሲንጋፖር እቲ ርእስና ኣረኪብና ህግደፍ ብዝሰራሓልና ኣርቲፊሻል ርእሲ ክንሓስብ ከለና፡፡ ሲንጋፖር ስማ ቀይራ ብነጻ ጉልበት ጊልያነት ዲጋን ዛላን ከትርን ኮይና ኢያ፡፡

ከምቲ ህግደፍ ንሃልኪ 24 ዓመታት ዝገዓሮ ኣብ ኤርትራ ኣፍ ኣውጺኡ ክዛረብ ዝኽእል ልምዓታዊ ስረሓት ብፍጹም ኣይተሰርሓን፡፡ ብዛዕባ ልምዓት ክንዛረብን ክንምስክርን እንተ ኮይና እቶም ካብ ኤርትራ ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ዝወጻና እምበር፡ እቲ ንኸይርእን ከይሰምዕን ተዓፊኑ ዘሎ ህዝብስ ደሓን ክዱን ብኣፈ ሰላሴ፡፡ ከም ገለ ኢሉ ርእዩን ሰሚዑን ምስክርነቱ ክህብ እውን በየናይ መንገዲ፡፡ ኣፉ ብኣፈሙዝ ብረት ተሎጒሙ ብሓለዋ ቀጽል ዙርያ ሓለዋ ዝሕለው ኢዩ፡፡ ነገረ ህግደፍ ኩልና ንፈልጦ ኢዩ፡፡ ንሱ ዝበለካን ዝበሎን ከም ፓፓጋሎ ምድጋም እምበር፡ ዝረኣኻዮ ሓቂ ከም ዘለዎ ብጥሪኡ ክትዛረበሉ ዘፍቅድ ስርዓት ኣይኮነን፡፡ እንተ ተዛሪብካ ድማ ትቕርደድ፡፡ ንኸይዛረብ ኣፉ ዝተለጉመ ህዝቢ፡ ንኸይ ሰርሕ ብግልያነት ዝተታሕዘ ህዝቢ፡ ንከይመሃር ከይፈልጥ እታ እንኮ ከም ሓሙስ ዩኒቨርስትኡ ዝተዓጸወቶ ህዝቢ፡ ፋሕተርተር ከይብል ኢደ እግሩ ዝተሞቕሐ ህዝቢ፡ ካብን ናብን ከይንቀሳቐስ ብኬላታትን ብሎኮታትን መዓልታዊ ግፋን ዝሰልከየ ህዝቢ፡ ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኢትዮጵያ ክትወረና እያን ኣብ ዘይውዳእ ዕስክርና ዝተኣስረ ህዝቢ ……. ወዘተ ብኸመይ ኢዩ ልምዓት ብጽንዓት ክገልጾ….?

ገለ የዋሃት ውበታት ኢሳይያስ ንልምዓት ንዕቤት ኤርትራ፡ ብመገዲ ቲቪ ኤረ (ተለቪጅን ጉጅለ ህግደፍ) ትብሎ ዓይሮምን መዚኖምን ሃገር ለሚዓ ኢሎም ከም ተሓዚኦም ሒሕ ኢሎም ከም ዘጉሩዑ ናይ ኣደባባይ ሚስጢር ኢዩ፡፡ ልምዓት ማለት ንዐኦም፡ ብቲቪ ኤረ ተሰሪሑ ዝበሃል ዲጋታት፡ ከትርታት፡ ቁንጣሮ ህንጻታት እንዳ ኮርያን ስፐይስን ናይ ቦንድ ገዛውቲ፡ ሕርሻ ኣፍሂምቦል ገርሰት፡ ፋብሪካ ባናቶም ኣላቡ፡ መዓደኒ ወርቂ ቢሻ፡ ሆቴል ገልዓሎን ኢዩ፡፡ መወሰኽታ ካልኣይ ጭብጦም ድማ፡ እቲ ዓመት መጸ ጽባሕ ክወግሕ ኢዩ ዝትሕዝኡ፡ ኣብ ጎደናታት ሰማእታትን ሓርነትን ዝረኣይ ረቂቕ ድራማ ምርኢታት ካርኒቫልን ጓይላን ዳንኬራን ኢዩ፡፡ ይዋእ ኢዮም ንሕና ንሱ ክሳብ ሕጂ ገና ኣይተበራበሩን፡፡ ጉጅለ ህግደፍ ንኤርትራ ከልምዕዋ ዘይኮነ ፍጹም ከዕነውዋ ድግዲጊት ተዓጢቖም ኢዮም፡፡ ንዓሚቕ ዝርዝራቱ ንኺኢላታት ናይቲ ዓውዲ ክገድፈሎም ኢየ፡፡ ነቲ ዓይነ ስውር ከይተረፈ ዳህሲሱ ዝፈልጦ ዕንወታት ዕስራን ኣርባዕተን ዓመታት ምልክን ባርነትን ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ኢዩ ሓደገኛ ግን ብውሕዱ ንርኣዮ፡፡

ጥዑምን ሕያዋይን ገዛኢ የለን፡፡ ካብኡ ናብኡ ግን ምረት ቃንዝኦም ይፈላለይ ይኸውን፡፡ ካብቶም ንኤርትራ ዝገዝእዋ እንግሊዝ፡ እቲ ዝሓሰመን ዝኸፈአ ቶንኮል ዝተዓጥቐን ምንባሩ ታሪኽ ሰኒድዎ ኣሎ፡፡ እንግሊዝ ኣብተን ዝጸናሓለን ዓሰርተው ዓመታት ንኤርትራ ኣዕንዩዋን ዘሚትዋን ጥራይ ዘይኮነ፡ ዕርቃና ከምትተርፍ ዝገበረ ገዛኢ እውን ኢዩ ነይሩ፡፡ ጉጅለ ህግደፍ ምስቶም ንኤርትራ ዝገዝእዋ ባዕዳውያን ገዛእቲ ከነወዳድሮ እንከለና፡ ንተግባራት እንግሊዝ ርእዮ ብርእዮ ዝደግም ዘሎ ስርዓትʼዩ ዝመሳሰል፡፡ እንግሊዝ ከምኡ ክገብር ከሎ ዝተነጸረ ዕላማ ኣብ ቅድሚኡ ስኢሉን ሓንጺጹን ኢዩ፡፡ ኤርትራ ናጽነታ ከይትረክብን ኣብ ክልተ ክትግማዕን ብምሕሳብ፡፡ እቲ ንኤርትራ ኣብ ክልተ ምግማዕ ኣይሰለጦን፡፡ ብሰንኪ እኩይ ፍሕሶታቱ ግን ናጽነትና ኣይረኸብናን፡፡ ኣብ ትሕቲ ፈደረሽን ከም ንቑረን ግን ኮይና፡፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ነቲ ድሒርና ዝኸፈልናዮ ኣዝዩ ከቢድ መስዋእቲ ንናጽነትና ክንከፍል ተገዲድና ኢና፡፡ ሎሚ ጉጅለ ህግደፍ ዝፍጽሞ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ዕንወት ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ክርእዮን ክምርምሮን እንከለኹ ዝተራቐቐ ስልቲ መግዛእቲ እንግሊዝ ዝደግም ዘሎ ኮይኑ ኢዩ ዝስመዓኒ፡፡

ልምዓት ብጽንዓት!! ከመይ ከመይ ቢልካዩ ኣብ ኤርትራ ልምዓት ብጽንዓት ዝበሃል ዘሎ…? ታራ ገዛውቲ ናይ ህዝቢ ብዶዞርን ግረይደርን ዘፍርስ ስርዓት እንታይ ዝኦሙ ልምዓትʼዩ ኣብ ኤርትራ ሰሪሑ..? ዓይኒ ኣንቁሑ እንተኾይኑ እንድዒ፡፡ ኣይኮነን ግን ጉጅለ ህግደፍ ዕስራን ኣርባዕተን ዓመታት ንህዝን ሃገርን ኤርትራ በታቲኑን ኣዕንዩን ኢዩ፡፡ እቲ ጻዕርን ህርኩትነትን ዝመለለይኡ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ፡ ጽጋዕተኛን ተጸባይን ናይቲ ጨቋኒ ስርዓት ከም ዝኸውን ኮይኑ ኢዩ፡፡ ካብ ድኳን ሕድሪ ብዝረኽበን ቁሩብ ቁራቦ ኣስፔዛ ዓለባ ልቢ ዝዓይነቱ ዓቂኑ ክበልዕ ተገዲዱ ኢዩ፡፡ ኩሉ ናይ ብሕቲ ትካላት ኮነ ተባሂሉ ከም ዝዓኑ ተገይሩ ኢዩ፡፡ ኩሎም ሰብ ሃብትን ነጋዶን ኪኢላታት ሞያውያንን ኤርትራውያን ጁባ፡ ኣንጎላ፡ ዩጋንዳ፡ ኬንያ፡ ሞዛምቢክ ከም ዝግዕዙን ከም ዝሳግሙን ኮይኖም ኢዮም፡፡ ዝኾነ ይዕበ ይንኣስ ናይ ህንጻ ስራሓት ንኸይስራሕ ካብ ዝኽልከል ዓመታት ኣቑጺሩ ኢዩ፡፡ ዝኾነ ወፍርን ኣውፈርትን ኣብ ኤርትራ የለዉን፡፡ ኩሉ ውዑይ ዕድመ ዓያይ ጉልበት ኤርትራዊ መንእሰይ፡ እታ ዝወትዋን ዘፍቅራን ሃገሩ ኣዝያ እተንድድ ረምጽ ኮይናቶ፡ እግሩ ናብ ዝመረሖ ይስደድ ኣሎ፡፡ ዝተረፈ ድማ ኣብ ማሕዩር ጊልያነት ሃገራዊ ኣገልግሎት ተሓይሩ ዘሎ ኢዩ፡፡ ኣበይ ድኣሉ እቲ ልምዓት ብጽንዓት ዝበሃል ዘሎ…? ሕርሻ ኣፍ ሂምቦል፡ ሆቴል ገልዓሎ፡ መዓደኒ ወርቂ ቢሻ፡ ፋብሪካ ባናቶም ኣላቡ….? እዚ ቁንጣሮ መኻዕበቲ ጁባ ጉጅለ ህግደፍ ዝኾነ ትካላት ነጻ ጉልበት ኤርትራዊ ካብ ምምዝማዝ ሓሊፉ እንታይʼዩ ፈይዱ..?

ኣብዚ ዝሓለፈ 24 ዓመታት ሕሱም መልክን ባርነትን ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ እንታʼዩ ረቢሑን ተጠቃማይ ኮይኑን…? ንልዕሊ ክልተ ዓመታት መብራህቲ ሓንሳብ ጠቕሊልካ ብምጥፋእ፡ ንሓንሳብ ብመልክዕ ጥምዮን ስትዮን ስለ ዝዓደልካ፡፡ ዲጋታት ሰሪሕናን ንሰርሕ ኣለናን እናዘመርካ ህዝቢ ብስእነት ማይ፡ ናብ ማይ ዘለዎ ክኸይድ ስለ ዝኣዘዝካ፡፡ እኒ ጸባ፡ መዓር፡ ጠስሚ፡ ስጋ፡ ካልኦት መዓልታዊ ቀረባት ህዝቢ ክሳብ ኣስማቶም ዝርስዖም ካብ ዕዳጋ ከም ዝጠፍእ ስለ ዝገበርካ፡፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ሰሚዕናዮ ዘይንፈልጥ፡ ንመዓልቲ ሓንቲ ባኒ ንሓደ ሰብ ስለ ዝኣዘዝካ፡፡ ኣብ ድኳን ሕድሪ ማሸላን ዝተበላሸወ ዘይትን በርበረን ንህዝቢ ፈውሲ ግስም ስለ ዝዓደልካ፡፡ መናእሰያት መሪርዎምን ሓሲምዎምን ኣሽሓት ዶላራት ንጀነራላትን ደቂ ጀነራላትን ከፊሎም፡ ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ክግዓዙ ረቂቕ ስልቲ ስለ ዝቐመርካ፡፡ ነቲ ዓጠምጠም ዝብል ዝነበረ መሳርዓት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ በታቲንካን ዘራሪግካን መተካእታ ኤርትራዊ መንእሰይ: ደምሒትን ጉንቦት ሰባትን ኣርበኞችን ስለ ዘዕኮኽካ፡፡ ንኤርትራ ምስ ኩለን ጎረባብታ ኣናኺስካን ኣባኢስካን ናይ ጽልኢ ደሴት ስለ ዝቐየርካያ፡፡ እንዳ ንኺድ ንጽደፍ! ንልቢ ክኾነኩም ካብቲ ብዙሕ ቁንጣሮ እየ ፈይ ፈይ ኣቢለልኩም፡፡ ልምዓት ብጽንዓት ብካርኒቫል ብዳንኬራ…….

 

24 ግንበት 1991 ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዝተሓረረትሉ፡ ካብ ብ መግዛእቲ ጥልያን ኣትሒዘን ዝሰርሓ ዝነበራ፡ መግዛእቲ እንግሊዝ ይኹን ሃጸይ ሃይለስላሰ ድሒሩ ዝተደምሰሰን ደርጊ፡ ዘይነቐልወንን ዘየዕነውወንን ኣስታት ዕስራ ዝኾና ፋብሪካታት ሎሚ ኣበይ ኣለዋ..? ክልቲኡ ወደባት ኤርትራ ሎሚ ኣብ ከመይ ደረጃ ኢዩ ዘሎ….? ተጠቕሊሉ ሓንቲ ፋብሪካ ባናቶም ተሰሪሑ ዶ ክንብል፡፡ ጉጅለ ህግደፍ ሃገርን ሃገራውነትን ከይተረፈ ከም ዝሽርሸር ገይሩ ኢዩ፡፡ ሎሚ ብሰንኪ ሕሱም ምልክን ባርነትን ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መናእሰያት ኤርትራ እንታይ ገደሰንን ንዓይ ጥራይ ይጥዓመንን ዝብል ቀታልን ናይ በለጽ ኣተሓሳስባን ብርእዮ ክነግስ ይረኣይ ኣሎ፡፡ ይኽደነና ዘብል ከቢድ ደበና ጥፍኣት ኢዩ ኣብ ልዕሌና ኣንጠጥዩ ዘሎ፡፡ ንለባም ኣምተሉ ንዓሻን ደርጓሓሉ ድዩ ዝበሃል፡ ጉጅለ ህግደፍ ዝተራቐቐን ዝተናወሓን ስልቲ መግዛእቲ እንግሊዝ ተጠቒሙ፡ ክድህከናን ከዕንወናን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ሃው ዝበለ ገደል ሸለው ከብለና ምዃኑ ደርጒሑልና ኢዩ፡፡ ይኽደነና!!!
ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)
[email protected]

ኣሓ ምስ ሓራዲአን፡ ማይ ይሰትያ!

ኣሓ ምስ ሓራዲአን፡ ማይ ይሰትያ!

ሃብተማርያም ኣብራሃ
ለንደን-ዓዲ እንግሊዝ
21 ግንቦት 2015

ሰላም ዝኸበርኩም ኣሕዋተይ፡ ኣሓተይን ደቀይን። ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ሕሱም ግዜ፡ ዝስመዓኒ ሃገራዊ ሓዘንን ጓሂን ምስ ናይ ዕድመ ተመኩሮይ ከካፍለኩም እንከለኹ፣ ደስ ይብለኒ። ‘ኣሓስ ምስ ሓራዲአን ማይ ይሰትያ’ ዝተባህለ፡ ብትኽክል ከምዚ ሎሚ ንርእዮ ዘለና ኣከያይዳ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ዝመስል። ብሰንኪ ሕሱም ስርዓት ህግደፍ ኣብ ወወርሒ ህዝቢ ይሃልቕ ኣሎ። ባሕሪ መዲተራንያን ከኣ፡ ወሓጢት መንእሰያት ኤርትራውያን ኮይና ኣላ።

እዚ ሰንካም ስርዓት’ዚ ከምቲ ንቆልዓ ክስንብድ ኢሎም “ዝብኢ መጸካ” ዝብልዎ ዝነበሩ፡ ካብ 1998 ክሳብ ሎሚ “ወያነ መጺኦሙኻ፡ ወራር ይቀራረብ ኣሎ፣ ወይልኻ ጠፋእካ!” ብዝብል ለበዳ ሓሶት፡ ህዝቢ ናብ ኣደዳ ራዕዲን ሽበራን ከም ዝንቆት ገይሩዎ ይርከብ። ኤርትራ ንኢሰያስ ከም ናይ ገዛእ ርእሱ ኣጉዶ ኢያ ተቐይራ ዘላ። ናብዚ ሎሚ ዘሎ መልክዕ ሃገርና ንምብጻሕ ከኣ፡ ካብታ ዝተሰለፈላ መዓልቲ ኣትሒዙ ደቂሱ ኣይፈልጥን ኢዩ።

ወላ’ኳ ብዙሓት ገዳይም ተጋደልቲ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢሰያስ ንክገልጹ ዕጭ እንተበሉ፡ ኣነ ብንኡስ ዓቕመይ ንኢሰያስ መንነቱን መንገዱን ብዝምልከት ካብ ነዊሕ ዓመታት ተዛሪበን ጽሒፈን እየ። ከምዚ ናተይ ዝተዛረቡን መጽሓፍ ዝጸሓፉን እውን ኣለዉ። ግን ከምቲ ናብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል ዝበሃል፡ እዚ ፈሊጡ ዝጸመመ ህዝቢ’ዚ ክሳብ ኣእዛኑ ዝኹኩዕን ኣዒንቱ ዝኸፍትን መቕዘፍቲ መንእሰያትና ገና ክቕጽል ኢዩ።

ነቶም ሃገር ዘፍረየቶም ደቂ ህዝቢ፡ ብሰንኪ ጨካን ኣተሓሕዛ ኢሰያስ ሃጽ ኢሎም ዝሃደሙን ዝጠሓሉን፡ “ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት” ኢሉ ከም ዝጸውዖም ዚዝከር ኢዩ። እቲ ሞት መመሊሱ ደኣ ገደደን በዝሐን እምበር ኣይነከየን። ድምጺ መርድእ ኣብ መመዓልቲ ኣብ ዘቃልሓሉ ዘሎ ግዜ፡ ናይ ሓዘን ዳሳት ኣብ ነፍስ ወከፍ ገዛ ተተኺሉሉ ኣብ ዘሎ ሓያል እዋን ግን እቶም ኣዝዮም ካብ ስነ ምግባር ህዝቢ ዝረሓቑ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብዚ ንማዓልቲ ናጽነት ዝዳሎ ዘሎ ዳሳት ንክስዕስዑ ይቀራረቡ ኣለዉ’ሞ፣ ዓገብ ክብሎም እደሊ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳይ ምስ ተረኽበ ኢዮም ድማ ኣቦታት “ኣሓስ ምስ ሓራዲአን ማይ ይሰትያ” ዝበሉ።

ከምቲ ዝወዓለ ይንገርካ፡ ዝሰሓተ ከኣ ይምከርካ ዝበሃል ምስላ ኣቦታትና፡ ኣነ ብዕድመይን ብተመኩሮይን ምስቶም ናጽነት ንምምጻእ ብዘይሕለል ንያት ዝወዓሉን፣ ምስቶም ኣንጻር ሕሱም ኢሰያስ ተቓሊሶም ህዝባዊ ዕላማ ንምህራም ዝሰሓቱን ዜጋ እየ። ክቡራት መንእሰያት ደቀይ! ካብ ስሕታንን ጌጋታትን ተማሂርኩም ብሓደ ኣሰጓጉማ ንጸላኢኹም መክቱ።

ከምቲ ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም “ምስ ዘራእቲ ነይረስ፡ ምስ ዓጻዶ ከኣ ተራኺበ” ዝበሎ፡ ኣነ’ውን ብዘይ ምግናን ምስቶም ዘርኢ ናጽነት ዝዘርኡ ቀዳሞት ነይረስ፡ ሎሚ ከኣ ምሳኹም ምስቶም ዓጻዶ ሓርነታዊ እንዳእቲ ተራኺበ። ድሌትናን ኣከያይዳናን ነንበይኑ ብምዃኑ ግን፡ ናብ ፍጹም ዓወት ክንበጽሕ ኣይከኣልናን። ወላ’ኳ እቶም መጣቓዕቲ ምርጭኦም ኮይኑ “ኢሰያስ ይንበረልና፡ ብዘይካ ንሱ ንኤርትራ ክመርሕ ዝኽእል ሰብ የለን” እንተበሉ፡ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ እውን ቁልፍና ኣይተረረን። ኣብ ኣርበዓታት፡ ሓምሳታትን ድሕሪኡ እውን ኣብቲ ን30 ዓመታት ዝነበረ መጋርያ ኲናት፡ ኤርትራዊ ከምዚ ኣይነበረን። ዕጡቕን ተባዕን ከም ዝነበረ ታሪኽ ምስክር ኢዩ። ኣይኮነን’ዶ ንፍትሒን ራህዋን፡ ቀዳሞት ኣቦታት ናብ ጫካታት መረብን ተከዘን ወፊሮም ኣንበሳ ቀቲሎም’ውን ሓኔታይ ይበሃሉ ነይሮም ኢዮም። ክብርታትናን ትብዓትናን በዚ ንጥፍኣትና ዝተሰለፈ ገበነኛ ኢሰያስ ክብለል እንከሎ ከኣ የተሓሳስበኒ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መዋእል፡ ንሕና ኤርትራውያን ብዘይ ኣፈላላይ ኢድ-ንኢድ ተተሓሒዝና ክንከይድ ይግባእ።

ዝኸበርካ ህዝበይ! ዕድል ናይዚ ወለዶ እዚ ኣብ ታሪኽ መወዳድርቲ የብሉን። ከምዚ ኤርትራ ረኺባቶ ዘላ ሕሰም፡ ኣብ መጻሕፍቲ ኣይተጻሕፉን። ኣብ ሃገርና፡ ዘይተበግረ’ምበር ዘይተገብረስ የለን። ገበናት ኢሰያስን ጉጅለኡን ንምጽሓፍ፡ ባሕሪ ቀለም እንተዝኸውን እውን ኣይምእእኸሎን። ኣሓ ምስ ሓራዲአን ማይ ይሰትያ! ነዚ ኩሉ ህልቂት እናረኣዩ ድማ፡ ገና ዘጣቕዑ ሰባት ኣለዉ።

ብሰንኪ ሓደ ብመንነቱ ዝቑሎ ዝነበረን ዘሎን ኢሰያስ ከኣ ህዝቢን ሃገርን ናብ ደረጃ ምጽናት እናተቓረቡ ይመጽኡ ኣለዉ። ገ እናበሉኻ’ዶ ትጋገ፡ ካብ ዝሓለፉ ጌጋታትና ዘይንመሃር፡ ናይ ትማሊ ዘይንዝክር ሓመይቲን ተገላበጥን ህዝቢ ምዃንና ሎሚ ኣብ ግዜ ዕብየተይ ክመዝኖ እንከለኹ ድማ የሕዝነኒ። ስርዓት ህግደፍ ንምቕያር ቅድሚ ኩሉ ናይ ኣተሓሳስባና ሰውራ የድሊ ኣሎ። ተቓወምቲ ውድባትን ባይቶን ግዜ ህዝቢ ኤርትራ ሰሪቖሞ ኢዮም። ብዘይ ከውን ተስፋ፡ ሃንቀውታ ህዝቢ ንብዙሕ ዓመታት ተኾሊፉ ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ስለ ናጽነት ዝተጋደሎ ዘመን፡ ብትኽክል ፈታዊኡን ጸላኢኡን ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ኮር ተግልበጥ፡ ሎሚ ኣብ ክንዲ ግዜ ዝማዕበለ፣ መራኸቢ ክንዲ ዝቐልጠፈ ግን ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ጥራይ ኮይኑ ጉዕዞና። ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ናይ ናጽነት ዓመታት ኢልና ዝረዓምናየን ግዚያት፡ ብዘይካ መንገዲ ጥፍኣት ካልእ መንገዲ ርኢና ኣይንፈልጥን ኢና። ንሱ እቲ ኣቐዲሙ ዝመንኮሰ፡ ኣብ ሃገርና ዝተቐመጠ ዲያብሎስ፡ በዓል ጉዳይን ዕላማን ስለዝኾነስ፡ ኣብ መንገዱ ኢዩ ነይሩን ዘሎን።

ንሕና እዞም ተረከብቲ ሃገር ዝኾነንና፡ እቶም ደድሕሬና ዝስዕቡ ዘለዉ ውሉዳት ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ንሓዋሩ ዝኸውን ፍታሕ ንደሊ ከም ዘመነ ባቢሎን ገና ኣብ ጣቕዒትን ጽላለን ንነብር ኣለና። ንሱ ብደም ህዝቢ ኤርትራ ዝጎስዐ ገበነኛ ኢዩ። ብሞትን ጥፍኣትን ኤርትራውያን ኣብ ዝቆጻጸየሉ ዘሎ እዋን ድማ፡ ኣብ ጓይላ ኣጋንንቲ ዓሲልኩም ተጣቕዑን ትለሃዩን ዘለኹም ዓገብ! ሎሚ ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ዝጠፍኣሉ ዘሎ ግናይ ዘመን ኢዩ። ሕቑፊ ወለዶም ዘይጸገቡ ሕጻናት ኢዮም ኣብ ምድረ በዳ ዝጠፍኡ ዘለዉ። ሞት ካብ ኣቦና ኣዳም ዝጀመረ፡ ኣብ ዓለም ንቡር ብጽሒት ወዲ ሰብ ኢዩ። ኣማውታ ኤርትራውያን ግን ንበይኑ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ መሰክሕ ህልቂት ደቂ ኤርትራ፡ ከም ኣማውታ ጉልሓይ እናተለምደ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ምድረ በዳን ባሕርታትን በብወርሑ ዝሃልቕ ዘሎ መንእሰይ መን ይቑጸሮ! ብሰንኪ እዚ ንሃገር ጸቒጡ ገቢትዋ ዘሎ ዲያብሎስ፡ ኣማውታ ኤርትራውያን መመሊሱ ኢዩ ዝኸፍእ ዘሎ። ናይ ሲናይን ባሕሪን ከይኣክል ድማ፡ ኤርትራ ዝወለደቶም መንእሰያት ብደዒሽ /ISIS/ ኣብ ገማግም ማይ ሊብያ ክሳውዶም ተቖሪጾም ኣለዉ።

ኣሓ ምስ ሓራዲአን ማይ ይሰትያ ከም ዝበሃል ድግም፡ ኣንታ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓዘን ግዜ ምስ ሓራዲኻ ክትስዕስዕ ትቀራረብ ዘለኻ፡ ኣንቲ ደቅኺ እናተሓርዱ ዝዋውዕ ዝመስል ወርቂታት ተሰሊምኪ ኮቦሮ ኢሳይያስ ክትሃርሚ ትህንጠዪ ዘለኺ ኤርትራዊት ኣደ፡ ዓገብ እብለኪ ኣለኹ። ብስም መዓልቲ ናጽነት ንዳንኬራ ዝግበር ዘሎ ምድላዋት ብኩሉ ህዝቢ ክፍንፈን ኣለዎ። እንተተኻኢሉ ኩነኔ፡ እንተዘይተኻኢሉ ድማ ህዝቢ በብእምነቱ ስለ እዚ ዝጠፍእ ዘሎ መንእሰይ ክጽሊ ይግባእ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ

ናይ ሞት ይጽናሕ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ!

ናይ ሞት ይጽናሕ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ!
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/
16 ግንቦት 2015
2ይ ክፋልን መወዳእታን

ኢሳይያስ፡ ኣብ ገርሂ ልቢታት ኤርትራውያን ዝተሓብአ ቫይረስ ኢዩ። ከምቲ ፈውሲ ዘይርከበሉ ሕማም ከኣ፡ ዛጊት ንሕና ደቂ’ዛ ሃገር መድሃኒት ኣይረኸብናሉን። ስለዚ እቲ ንኢሳይያስ መመሊሱ ዝሓብእን ዘሰውድን ዝነበረ ትካል መዐደኒ ወርቂ ቢሻ ተሃሪሙ ኢልካ ክስማዕ ዝወርሐ ግሁድን ሕቡእን ቁዘማ፡ ንኣዳም ገረሞ ኢዩ።

ናይ ሞት’ሞ ይጽናሕ፡ ኤርትራ ብሰንኪ ኢሳይያስን ጭፍርኡን መስሓቕ ሸራፋት ብምዃና ብሕልፈታ፡ ክብከየላ ምተገብአ። እዚ ኣብ ሜዳ ንብዙሓት ምሁራት ተጋደልቲ ዝቐንጸለን ንላዕለዎት ሓለፍቲ እናጸፍዐ ዝመጸን ኢሳይያስ፡ ቃሕ ከም ዝበሎ ንክገብር ገፊሕ ማዕጾ ዝኸፈቱስ እቶም ዘገም ኢሉ ናብ ዒራዒሮ ዝኸተቶም መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነበር ኢዮም።

ካሪክለም ኣዕነውቲ ኣዋጃት እናተሓንጸጹ፡ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ምፍራስ ኣውራጃዊ ምምሕዳራት፡ ምቛም ፍሉይ ቤት ፍርዲ፡ ምዕጻው ናጻ ፕረስ፡ ምምካን ቅዋም ኤርትራ፡ ምፍራስ ግንባራት ባድመን ፋውሊናን፡ ወ.ዘ.ተ… ኣብ ዝተራእየሉ ግዜ፣ እቶም ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ቅድሚ ምእሳሮም ተባዕ ስጉምቲ ክወስዱ ነይሩዎም። እወ! ሽዑ ሰኣን ብትኽ፡ ሃገር ሎሚ በቲኻ ኣላ። መሪሕነት ጉጅለ 15ን ሃገራውያን ጋዜጠኛታትን፡ ምዕጻው እታ እንኮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ምስ ተጋህደ ከኣ፡ ገበል ዝነበረ ኢሳይያስ ናብ ኣሰለት ምቕያሩ ነጊሩና እንከሎ፣ እሕሕ ዝብል ድምጺ ኣይተሰምዐን። እምበኣር ንኤርትራ ሽዑ’ውን ክብከየላ ምተገብአ።

እወ፡ ናይ ሞት ይጽናሕ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ! እዛ ናጽነታ ንምርካብ ልዕሊ 65 ሽሕ፡ ኣብቲ ኢሳይያስ ዝኣጎዶ ዓርሞ ባድመ’ውን በራውር መንእሰያት ዝሃለቑላ ሃገር ክብከያ ምተገብአ። ክብከያ እንተኾይኑስ ቢሻ ምስ ተደብደበ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ኣብ ምትሓዝ ባድመን ምፍራስ ግንባር መረብ ሰቲትን ምተበኽያ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ስምምዕ ኣልጀርስ፣ “ኤርትራ 25 ኪ.ሜ. ንውሽጢ መሬታ ኣትያ ደው ክትብል፡ ማለት ገዛእ ልኡላዊ መሬታ ግዝያዊ ናይ ጸጥታ ዞባ /Temporary Security Zone/ ይኹን” ዝብል ርእይቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ውሳኔ ክሓልፍ እንከሎ ምተበኽያ። ኢሳይያስ ከኣ፡ ነቲ ናይ ምንብርካኽን ሞትን ውሳኔ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓለም ክታሙ ኣንበረሉ። እዚ ኣብ ፋኛቱራታት ኣባሻውል ምስ ዋንጫን ብርለን ዝዓበየ ዝወጽኣሉ ላምፐን፡ ካብ ሰብኣዊ ስነ-ምግባር ዝረሓቐ ስለዝኾነ፣ ዘሕፍሮ ጉዳይ የለን። ‘ኣመል ምስ መግነዝ’ ከም ዝበሃል፣ ቀናእ፡ ህልኸኛ፡ ነኻሲ፡ ቃጸኛ፡ ኣጥፊእካ ምጥፋእ ዝባህርያቱ ኢሳይያስ፣ ሎሚ ኣብ መበል 70 ዓመቱ ለውጢ ክገብር ምጽባይ፡ ዕሽነት ጥራይ ኢዩ። ንኤርትራ ዝርንዝሕ ክንበዓላ ዝግበኦም ዓመታት ኣዝዮም ብዙሓት ኢዮም።

እዛ ሃገር ክብከያ፡ ቋሬጣ ክእዘዘላን ደም ክንበዓላን እንተኾይኑስ፡ እቲ ልኡላዊ መሬታ፡ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ’ውን ዝተፈርደላ ባድመ ገና ኣብ ኢድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምህላዉ ኢዩ። ‘ኣደስ ትሓብእ’ሞ ሓበላ ዓይኒ ነይትሓብእ’ ከም ዝበሃል፣ ነዚ ሓቂ’ዚ ጎስዩ ክሓልፍ ዝደሊ እንተሎ፡ ንብርሃን ጸሓይ ብኮበርታታት ጌርካ ንምኽዋል ምፍታን ከም ማለት ይቑጸሮ።

ብዙሓት ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኣለና ዝብሉ፡ ነዚ ኩሉ ሞትን መግነዝትን ረሲዖም ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ምስቶም ደገፍቲ ህግደፍ ብሓደ ቃና “…ኢትዮጵያ ዶብ ክሊ ኣየርና ጥሒሳ ናብ ቢሻ ደብዲባ” ዝብል ኣይትሓዙና ምስማዕና ከኣ ዘስደምም ኢዩ። ብዛዕባ ስርሒት ቢሻ ብዙሕ ዘደናግር ኣታዊን ወጻኢን ወረታት ክስማዕ ወሪሑ ኢዩ። ኩሉ ዘዝመስሎ ገምጋምን ትንታኔን ከም ዝገበረ እውን ሰሚዕናን ኣንቢብናን ኢና። ድሒሩ ብዝመጽእ ዝነበረ ሓበሬታ ግን፡ እቲ ደብዳብ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዩ ተኻይዱ። ገለ ብሚሳይል ገለ እውን ብከቢድ ብረት ክብሉ እንከለዉ፡ ገለ ሓለምቲ’ውን ከይሓፈሩ ንሕና ኢና ጌርናዮ ደኣ በሉ። ብቕንያቱ ናይ ኣመለኻኽታ ፍልልይ ኢዩ ቀንዩ ዘሎ።

ደገፍቲ፡ ከምቲ ኣደይ ትብሎ ዘይኮነስ፡ ሰበይተይ ከም እትብሎ ይግበረለይ ክብሉ፡ እቲ ዕንወት ንክፎኽሰሎም ክጽልዩ ቀነዩ። ኣብ ደምበ ተቓውሞ’ውን ስግንጢር ዝኾነ ኣረኣእያታት ኢዩ ተሰሚዑ። ማለት ኣነን ከምዚ ከማይን ብምኽንያት ዕንወት ትካል ወርቂ ቢሻን ማሕጎማ ኢሳይያስን፡ ዓው ብዝበለ ድምጺ ”እንቋዕ ተዓለለ!” ኢልና ኢና። ሕጂ’ውን ብነጎድጓድ ድምጺ ዝድገም ዕልልታ ኢዩ። ናይ ሞት ይጽናሕ ናይ ሕልፈት ይበኸ ኢዩ ነገሩ። እዞም ወገናት በቲ ኣብ ትካል ህግደፍ ዝወረደ ደብዳብን ዕንወትን “ክሊ ኣየር ኤርትራ ተደፊሩ” ኢሎም ሓዚኖም። ሎሚ ኣከያይዳ ኢሳይያስ ይነግረና ከም ዘሎ ግን፡ ክሊ ኣየር ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምምላሳ ግሁድ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ። እዚ ድማ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ጽሒፍናሉን ተዛሪብናሉን ኢና። ነዚ ብናጽነት ኤርትራ ዝተጣዕሰን ንስዉኣት ዝጠለመን ስርዓት ህግደፍ ክሓዝኑሉን፡ ኤረ እንተክኢሎም’ውን ነጸላ ተዓጢቖም ክበኽዩሉን መሰሎም ኢዩ። ቢሻ እታ ኣብ ጅማት ኢሳይያስ ተተኺላ እስትንፋስ እትህቦ ዝነበረት ኢንፍዩዥንን ቀላቢት ደምህትን ኢያ። ምብታኽ እዛ ቀላቢት ኣኽላባት ጎረባብቲን መቕተሊት ህዝብናን ዝኾነት ኢንፍዩዥን ከኣ፡ ነቲ ናብ ደም ገበነኛ ዝወርድ ዝነበረ ግሉኮስ ምቁራጽ ማለት ኢዩ።

ስለዚ ክሳድካ ቆሪጹ፡ ጥዕና ይሃብካ፡ ከም ዝበሎ ኣይረጋሚ ኣይመራቒ፡ ኢሳይያስ’ውን ሕጂ ብሰንኪ ዕንወት ትካል ቢሻ ክሳዱ ምስ ተቖርጸ ግሩም ዝኾነ ጥዕና ክረክብ ኢዩ’ሞ ምቕናይ ጥራይ። ኢሳይያስ ከም ህንኩቶ ቀውዒ፡ ክርቢት ዘይሸርጠጠሉ ከባቢ የለን። ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማል፡ ጂቡቲ ጥራይ ከይኣክል ድማ፣ እዞም ሕጂ ኣብ የመን ዝዋግኡ ዘለዉ ሁትሲ /ተኸተልቲ ሺዓ/ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ዓሊሙን ኣዕጢቑን ኢዩ ጓህሪ ኣጒዱሎም ዘሎ። ስለዚ ናይ ሞት ይጽናሕ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ! እዛ ሃገር መራግእታ ምስ ተጀልሐ ክብከየላ ምተገብአ።

ብሰንኪ ኢሳይያስ ዝተኸተሎ ሰባብ ሜላ፡ ኣብ ርእሲ ህዝቢ ኤርትራ ተዃዕኒኑ ዘሎ ሕሰም መዘና የብሉን። ኢሳይያስ ንምእላይ ደኣ ክንደይ ዓመታት ዲዩ ተቖጺሩ ዘሎ? ግን ስንክልናና ኣይፈለጥናን። ንቢሻ ባዕልና ክንሃርማ፡ ንቀንዲ ትካላት ህግደፍ’ውን ንሕና ኤርትራውያን ባዕልና ከነዕንዎን ክንሃርሞን ኣለና ዝብል ጽውጽዋይ፡ ንህሉው ዓቕሚን ኣከያይዳን ደምበ ተቓውሞ ዘይምፍላጥ እመስለኒ። ደምበ ተቓውሞ ቀርኒ ዘይብሉ ብዕራይ ኢዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ከምኡ ዝኾነሉ ጉዳይ ከኣ ኣይተሳእነን።

እዛ ህዝቢ ኤርትራ ሓንቲ ባኒ’ውን ትኹን ርእዩላ ዘይፈልጥ፡ ኣብ ዓመት ልዕሊ 300 ሚልዮን ዶላር ዝሕፈሰላ ቢሻ፡ ንብረት ኢሳይያስ፡ ሓጎስ ክሻን የማነታትን ኢያ። ስለዚ ቢሻ ኣይተሃረም ማለት ብካልእ መንገዲ፡ ኢሳይያስ ይጽናሕ፡ ይጨፍጭፈናን የጽንተናን ከም ማለት ኢዩ ዝቑጸር። ትካላት ኢሳይያስ ምህራም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዑኡን ነቶም ቀንዲ መጫፍርቱን ኣነጻጺርካ ምምንጣል’ውን መድለየና’ኮ! ግን በየን ኣእጋር፡ በየን ኣሰጋጋር ኮይኑ። ጉዳይ ህዝቢ ንዘለኣለም ተረጊጹ ዝነብር ኣይኮነን። ኣንቱም ቢሻ ተሃሪሙ ኢልኩም ከተላቕሱ ዝቐነኹም፡ ኢሳይያስን ኣኽላባቱን ዝመሃሩሉ ግዜ ርሑቕ ኣይኮነን’ሞ፡ ጸሊም መንጠሊናኹም ኣዳልዉ።

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!
ደበሳ ኢዮብ ንህዝቢ ኤርትራ!!

Eritrean diplomat to African Union seeks Asylum in Ethiopia

May 14, 2015 (ADDIS ABABA) – A senior Eritrean diplomat who had been representing the Red sea nation at the African Union (AU) headquarters in Addis Ababa abandoned one of the world’s most repressive regime in Asmara.

The state-run, Ethiopian Broadcasting Corporation (EBC) on Wednesday reported that Mohammed Idris, a member of the Eritrean ruling People’s Front for Democracy and Justice (PFDJ) has sought asylum in Ethiopia in a latest sign of discontent to the secretive Eritrean government.

Eritrea gained independence from Ethiopia in 1993 after 31 years of bitter struggle against successive Ethiopian regimes.

Idris fought during the armed struggle for Independence with the current President Isaias Afewerki led Eritrean People’s Liberation Front (EPLF) and had previously served top positions within the Eritrean government.

“A people that for a long time fought for justice and freedom are now being subjected to injustice,” Idris said in an interview with EBC ”This forced me to take this decision”

There is no an immediate reaction from Asmara over the report.

The Eritrean opposition described the diplomats’ desertion as a big blow to the Eritrean regime which also is accused of gross human right abuses, including extra-judicial killings, torture and arrests.

Speaking to Sudan Tribune, Samuel Gedion welcomed the diplomat’s decision but said desertion alone isn’t enough.

“As the country’s top figure, Idris knows lots of secrets of the regime and he has now to expose the ill-acts of the regime,” said Gedion.

“He must tell the world, the atrocities the dictatorial regime is committing to the innocent people” he said.

Eritrea is facing UN sanctions for supporting, financing and arming al Qaeda allied Al shebaab militants inside Somalia.

Gedion further said the ex-diplomat has also to expose the ties the regime has with regional terrorists and its destabilizing nature in the volatile east African region.

Eritrean government has zero-tolerance to dissent and anyone attempting to do so will be dealt harshly.

Defections are very common in Eritrea mainly to escape an indefinite mandatory military service and worsening poverty situation.

According to exiled Eritrean opposition groups in Addis Ababa, citizens found fleeing are considered as traitors and will be charged with treason, a crime which carries death penalty.

Previously hundreds of members of the Eritrean military, the Air force, the Navy and other military and government officials have defected to neighbouring countries in protest to repression.

Every month some 4,000 Eritreans flee their country to neighbouring countries mainly to Ethiopia and Sudan.

There are over 90,000 Eritrean refugees in a number of camps in Ethiopia.

Relations between Ethiopia and Eritrea remain at odds after the two neighbours fought border war from 1998-2000 which has killed more than 70,000 people.

Currently there are over 10 different Eritrean opposition groups in Ethiopia.

Previously, Addis Ababa has openly expressed readiness to support the Eritrean opposition groups in their struggle to topple the long-time ruler, Afeworki’s regime.

The one party state had never conducted elections since president Afeworki assume office following independence.

The reclusive Red Sea nation has also been referred by international Human right groups as the North Korea of Africa.

(ST)