ፍረ ሰላም ኽንዲ ሽሕ

ፍረ ሰላም ኽንዲ ሽሕ

ሰነ-ጥበባዊ ፍረሰላም ዝገበሮ ቃለ መሕተት ተመሲጢ እየ ተኻታቲለዬ እቲ ታሪኽ እቲ መንእሰይ ገሊኡ ዘሕዝን ገሊኡ ዘደንዝዝ እዩ። ናይ ብሓቂ መንግስቲ ህግደፍ ሃገር ዘይኮነ ዝመርሕ ዘሎስ ገዛ ገዛ እዩ ዝጻወት ዘሎ ኢልኻ ኢካ ትድምድም። ናብቲ ቐንዲ ቑም-ነገረይ ክምለስ። ስነ ጥበባዊ ፍረ ሰላም ወዲ ዕስራን ሰለስተን ዓመት መንእሰይ ኽነሱ: ኣወዳድቃ ቃላቱን ትብዓቱን መወዳድርቲ የብሉን: ክሳብ ሎሚ ቡዙሓት ሰነ ጥበባውያን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስተላእኹ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖሞ እዬም፥ እንተኮነ ግን ብዘይኻ ሓደ ወዲ ትኻቦ ካልእ ብጩቅ ኢሉ ዝተዛረበ የለን። እቲ ብትብዓትን ዝነውሐን ቃለ መሕተት ብምግባር ነግ ፈረግ ከይበለ ነቲ ስርዓት ጉዱ ዘቃልዓ ንእሽቶ ኸነሱ ግን ከኣ ሓየት መንእሰይ ፍረ ሰላም እዩ። ከምቶም ምስ ወጹ ባባ ከይእሰር ማማ ከይትእሰር እንዳበሉ ምስምስ ዘቅርቡ ሉሙሳት መንእሰያት ኣይለመሰን። ተባዕ እንተዘይከውን እውን ብስርዓት ህግደፍ ኣይምተኣስረን ኣይምተጨፍጨፈን። ፍረ ሰላም ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ዝተበደለ ብሞያኡ ንከይዓቢ ዝተጸቅጠ ስነ ጥበባዊ እዪ። ስለዝኾነ ድማ ካብታ ዝፈትዋ ዝዓበየላ ዓዱ ብዘይ ድልየቱ ከም ኹሎም ብዱላት መንእሰያት ተዳፊኡ ከምዝተሰደደ ካብ ቃላቱ ሰሚዕናዬ ኣለና። ኩሉ እቲ ዘሕዝን ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ስቅያት ብዓይኑ ዝረኣዬ ገሊጽዎ ኣሎ።

ኤርትራውያን መንእሰያት፤ ዓበይቲ፥ ኣንስቲ፥ ኣብታ ዝተወለዱላ ሃገሮም ብዘይ ፍርዲ ብደቆምን የሕዋቶምን ብዘሰቕቅ ግፍዒ ድኸቶም ይርእዩ ኣለው። ንፍዓት መራሕቲ ንሃገሮም ዘጸውዕ ጽቡቕ ነገር ክሰርሑ ለይትን ቐትርን ከይደቀሱ ይሓድሩ፥ መራሒ ህግደፍ ድማ ተማሃራይ፥ መምህር፥ ደክተር፥ ሓረስታይ፥ መራሕቲ ሃይማኖት ብኣልማማ ዝሰደዱላ ኻብ ዓለም ብስደት ንብምዕፋን ናጽነት ፕረስ ብእሱርቤት ንሻን ዝተሰለመት ሃገር ገይርዋ ኣሎ። ፍረ ሰላም ኩሉ ተንቲንዎ አሎ ደረፍቲ ወይ ሰነ ጥበበኛታት አብ ግፋ ዘዋፍር ስርዓት ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን። እቲ ሽግር ግን ኣብ ኢሰያስ ጥራሕ ኣይኾነን ኣብቶም ሰነ ጥበበኛታት እውን እዩ፥ ኣብ ደገ ምስመጹ ሕጉሳት ኽመስሉ ዓንዲሮም ይምለሱ ከምእውን ኣብ ደገ ዝቕመጡ ደገፍቲ እቲ ስርዓትን እዩ ። ካብ ከባቢኦም ቁሩብ ክመሃሩ ዘይከኣሉ ኣብ ምዕቡል ዓለም እንዳተቐመጡ ነብሶም እንበር እእምሮኦም ገና ምስቲ ስርዓት ኣብ ሳሕል ዘለው፥ ኢሰያስ ፍሉይ ፍጥረት ኣብ ዕስራ ወርሑ ዝተወልደ ዝመስሎም ብነብሰ ምትሓት ዝሳቐዩ ብቓላት ዝጥበሩ ሒዙ እዩ ኣብ ርእሲ ውጹዕ ህዝቢ ሸሸ ዝብል ዘሎ።

ስነ-ጥበባዊ ፍረ-ሰላም እቲ ብዙሕ ከፍርየሉ ዝግብኦ ዕድሚኡ ኣብ እሱርቤትን ምፍርራህን ጸ ቕጥን እዩ የሕሊፍዎ ፍረ-ሰላም ከምቲ ዝጀመሮ ናጽነትን ምትብባዕን ረኺቡ ነይሩ እንተዝኸውን ሕጂ ኣበይ ምበጽሐ ነይሩ ንምግማቱ ኣየጸግምን። መራሕቲ ህግደፍ ኹሎም ሓደ እዮም ዓገብ ኽብል ዝኽእል የለን። ”ካብ ሓርገጽ ሃዲምኻስ ናብ ኣሰለት እዩ” እውይ እልኻ ዝሰምዓኻ የለን። እታ ፍታሕ ኣብ ኢድና እያ ዘላ ከምቲ መንእሰይ ፈር-ሰላም ዝበሎ “ፈትሊ እዃ ኣንተተኣኺቡ ኣንበሳ ይኣስር” ኤርትራዊ እንተሰሚሩ ኣብ ሓጺር ግዜ ለውጢ ኽመጽእ ከምዝኽእል ዘጠራጥር የብሉን። እታ ለውጢ ብሓድነት እያ እትመጽእሞ ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ ፍልልይና ኣጺቢብናን ኣብ ሕጂ ኽንምልሶም ዘይንኽእል ሕቶታት ግዜና ከይጥፋእና ነዚ ብስርዓት ህግደፍን ኾራኹርን ዝጸንት ዘሎ ወለዶ ነድሕኖ።

ኣብ መወዳእታ ፍረ-ሰላምኽንዲ ሽሕ እንተበልኹካ ኣየጋነንኹን፥ ከማኻ ገይሩ ተስፋ ዘስነቐና ስነ-ጥበባዊ ከምዘየለን ዓቢ ተስፋ ዘንበርናልካ መንእሰይ ምኻንኻ ኽንገልጸልኻ ንፈቱ፡ ነቶም ቓለ-መሕተት ኽባሃሉ እንከለዉ ትንፋስ ዝሓጽሮም ኣብ ደገ ተሪፎም ዘለዉ ስነ-ጥበበኛታት ካብዚ ካብ ኹሉኹም ዝነኣሰ ግን ከኣ ተባዕ መንእሰይ ተማሃሩ ጥራይ ኢና ንብሎም። ስቕታ ካብ ፍርሒ ሓሊፉ ጉርሒ፥ ፍልጠት ወይ ርዝነት ኽከውን ኣይኽእልን እዩ፥ ኣሰር ፍረ-ሰላም ሰዓቡ ፍረ-ሰላም ድማ ደንበ ተቓውሞ ከማኻ ዝበሉ ቡዙሓት ስነ-ጥበበኛታት ኣፍሪዩ እዩሞ ኣብ ጎኖም ኾይናኻ ቶም ኣብ እሱርቤተት ኤርትራ ዝጣበቀሎም ሲኢኖም ዝከፋአ ስቕያት ዘሕልፉ ዘለዉ የሕዋትና ኣውያቶም ከተስማዓሎም ይምሕጸነኻ። በዚ ኣጋጣሚ እዚ ድማ ሬድዮ ኣሰና ተቓላሳይ ኣማኒኤል ነዚ ተባዕ መንእሰይ ሰፊሕ ቓል መሕተት ኽትገብረሉ ለበዋይ የመሓላልፍ።

ይኹኖ(YOKI) ካብ ላስቬጋስ

ኣዕናዊ ጉዕዞ ኣባ ሉቃስ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ እዋን ጾም ኣርብዓ?

ኣዕናዊ ጉዕዞ ኣባ ሉቃስ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ እዋን ጾም ኣርብዓ?

ኣብዚ እዋን እዚ፥ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ መከራን ስቓይን ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ብዙሓት ሰባት ዝሓትዎ ሕቶ ድማ ”ንሕናዶ ካብ ዓለምና ዝተፈለየ ኣበሳን ሓጢኣትን ጌርና ኢና? ንምንታይ እዩ እዚ ኩሉ ሽግር: ፈተና:  መሪር ስደትን ሞትን ዝበጽሓና ዘሎ?” ዝብል እዩ፣ እቲ መልሲ ሓጺር እዩ። እወ ዝተፈልየ ሓጢኣትን ኣበሳን ጌርና ኢና። እንታይ እንተተባህለ፥

  1. ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን፥ ብክርስትያናት ኢና ዝብሉ፥ ኣብቲ ሥጋን ደምን ናይ ኣምላኽ ዝስውኣሉ ቀጽሪ ልዕሊ ሽሕ መጽሓፍ ቅዱስ ቃላት ኣምላኽ፥ ብሓዊ ተቓጺሉ። ትኩ ሰማይ በጺሑ ጠሪዑልና እዩ። ካብዚ ዝዓቢ ሓጢኣትን ኣበሳን እንታይ እንታይ ኣሎ?
  2. ሃይማኖት ክመርሑ ጵጵስና ተቐቢኦም ዝበሃሉ ኣባ ሉቃስ ዝመርሕዎ ጉጅለ ነቲ ብሓዊ ዝተሃሞኸ ቃለ እግዚኣብሔር“ርኹስ”ዝበሉ ከሓዲ ምስ እዚ ከቢድ ክሕደቶም ከም ጳጳስ ተቐቢልና ንኸይድ ኣሎና። ነዚ ሕርሚ ዝተሰከመ ሰብ ኣብ ክንዲ ክንሳሕ፥ ንዝገበሮ ጸይቅን ክፍኣትን ክሕደትን ተሰኪምና እንኸይድ፥ ሰብ ሕርሚ ኢና። ነዚውን ኣይተነሳሕናሉን ጥራይ ዘይኮነ፥ ሕጂውን ልዑል ጸግዒ ናይ ፖለቲካ ሰበስልጣን ረኺቦም፥ እቶም ዝለዓለ መራሒ ሃይማኖት ተዋህዶ ኮይኖም ካህናትን ዲያቆናትን ካብ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ብበትሪ ዘባርሩን ዝሰጉን ዘለውን እዮም። ግን ዘጣቓዓሎም ኣይሰኣኑን። እዚ ሓጢኣትዶ ኣይኮነን?
  3. ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐብኡ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ኣቦ ኩሉ ኤርትራዊ፥ ብፍላይ ንኣባ ሉቃስ ”በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ” ኢሎም መንፈስ ቅዱስ ተቐበል ኢሎም ኡፍ ዝበሉሎም ኣቦኦም፥ ኣባ ሉቃስ ብዘለዎም ሓይሊ ፖለቲካ ተጠቒሞም፥  ነዞም ወዲ 90 ዓመት ኣቦ ኩልና፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሲሮም ዘሳቕዩ ዘለዉ ጥራይ ዘይኮነስ “መናፍቕ” ኢሎም ብምጽዋዕ ስሞም ዘራኽሱን ዘጸልሙን ዘለዉ፥ ብዘይገበን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኖም ዝነብዕዎ ዘለዎ ንብዓት፥ ኣብ ኣምላኽ ኣይጠርዕን ድዩ? መርገም እዞም ሽማግለ ክበጽሓና ዘይክእለሉ ምኽንያት ኣለዎ ድዩ?
  4. ካብ ንእሽቶ ሃገር ብኣማኢት ዝቑጸሩ ጨላቅዕ መንእሰያት ኣብ ባሕሪ ሃሊቖም፥ ምጽንናዕ ንህዝብና ንኽኾኖ፥ ጸሎት ፍትሓትን ጸሎት ንሕዝብናን ተገይሩ ድዩ? ናይ ጸሎትን ንስሓን ኣዋጅ ክእወጅ እዩ ዝግባእ ነይሩእሞ ደም እዞም ንጹሃት ናብ ሰማይ ኣይጠርዕን ድዩ? ንብዓት ደቆምን ምሕያም ኣንስቶምን ኣይከሰናን ድዩ? ኣበይ ዓለም ተራእዩ ዕሸል ምስ ዕትብቲ ኣዲኡ ከይተፈላለየ፥ ኣብ ባሕሪ ዝጠፍአ? እዚ ደም እዚ ኣይከሰናን ድዩ?
  5. ካብቲ ክሲ ናይ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣባ ሉቃስ ዝመሃዚኡ ሓደ ኣብ ቁጽሪ5 ተጠቒሱ ዘሎ፥  “ላዕለዋይ ኣካል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘዛረበኩም ጊዜ ነቶም ብቅዱስ ሲኖዶስ መናፍቓን ምዃኖም ዝተኣመነን ብካልእ ገበን ዝተኣስሩን ሰባት ክፈትሓልኩም ብስም ቤተ ክርስቲያን ምሕታትኩም”ዝብል መስተክር ናይ ጭካነ ክሲ እዩ።  መልሲ ኣቡነ እንጦንዮስ ግን“መናፍቕ እንተ ሃልዩ እቲ ክሕደት ተጠቒሱ ብኣፍን ብመጽሓፍን ተረቲዑ፥ ዝምለስ እንተ ኮይኑ ክምለስ፥ እንተ ኣብዩ ክውገዝ እዩ ዝግባእ እምበር ክእሰር ኣይኮነን  ኣይግባእን ንሱ ድማ ንቤተ ክርስትያን ይምልከት። ካልእ ገበን እንተ ኣልይዎም ምሕረት ይገበረሎም ምባለይ ኣቦ ከም ምዃነይ ምሕረት ክልምን ግቡእ እዩ። ናታትኩም ግና ጭካነ እዩ።” ይብል። እቶም ብዘይገበን ብሰንኪ ሃይማኖቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉ ኣመንቲ፥ እተን ንዓመታት ብዘይ ሰብኣይ ማእሚነን እናነብዓ ቆልዑ ዝኣልያ ዘለዋ ኣዴታት፥ እቶም ኣቦይ ኢሎም ግንከ ኣቦ ዘይብሎም ዝነብዑ ሕጻናት መርገሞም ከመይ ኣይበጽሓናን።
  6. ኣመንቲ ናብ ሱባኤን ጸሎትን ዝኣትወሉ እዋን ጾመኣርብዓ ኣብ ገዳማት ሱባኤ ክኣትዉ ዝግብኦም መነኮሳት ድማ ንህውከትን ንጸለመን ናብ ሆቴላት ኣውሮጳ ክጎዓዙን ክሸራሸሩን ምርኣይሲ መወዳእታ ዓለም ዶኾን በጺሑ ኾይኑ እዩ? እንታይ ገደሰኒ ኣባይ ኣይብጽሓኒ ኢልና ንጥምት ዘሎና፡ ዓገብ ዘይምባልናከ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣይሕትተናን ድዩ?

ሃገር ባዲማ። መንእሰይ ኣብ ሃገሩ ቀሲኑ ሓሪሱን ርሂጹን ከይነብር፥ ኣደዳ መርገምን ስደትን ገይሮሞ ሃጽ ኢሉ ጠፊኡሎም ከይኣኽሎም ሕጂ ድማ ኣብ ዝተጸጋዓሉ ሃገር ስደት ስዒቦም፥ ኣብ ንሕድሕዱ ካልእ ጽልእን ቅርሕንትን ንምፍጣርን፥ ምፍልላይ ንምዝራእን፥ ኣብ ጾም ኣርብዓ እዋን ሱባኤ ናብ ኤውሮጳ መደብ ሓንጺጾም ኣለዉ።

እቲ ኣብ 2000 ዓ.ም መጽሓፍ ቅዱስ ብሓዊ ንኽነድድ ቀንዲ ኣተሓባባሪ ዝነበረ ሕጂ ናይ ኣቶ ዮፍታሄ ቦታ ተኪኡ ዘሎ ጸረ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቶ ግርማይ ዝተባህለ ሰብ ሕጂውን ተመሳሳሊ እኩይ ስራሕ ንኽሰርሑ ኣሰንይዎም ይመጽእ ኣሎ።ብሰንኪ እዞም ዝተጠቕሱ ሰባት ኣብቲ ቅዱስ ቦታ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ በረኸት ቦታ መርገምን ክሕደትን ገኒኑ ክትርኢ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ብርግጽ ንሶም ሰብ ዓላማ እዮም። እቶም ኮፍ ኢልና ንርእን ንሰምዕን ዘሎና ግና ስለ እምነትና ደው ክንብል ይግብኣና’ዩ። ኣብዚ እዋን ጾም ኣርብዓ ቀንዲ ዕላማ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ መምጽኢኦም። ስም ኣቡነ መቃርዮስ ንምጽላም፥ ንሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ንምክፋእ፥ ኣብ መንጎ ካልኦት ሃይማኖታት ጽልኢ ንምጽሕታር፥ ፖለቲካዊ ጎስጓሳት ንምክያድን ምውዳብን እዩ።

ስለዚ: ሓቂ ክትፈልጡ እትደልዩ ተብዓት ኦርቶዶክሳውያን። ናብ ኤውሮጳ ኣብ ዝንቀሳቐሱሉ ብልቦና ነዘን ሕቶ እዚኤን ጥራይ ኣቕርቡሎም። ብመልሶምን ትሕዝቶኦምን ከደንጽወኩም እዩ።

  1. እዋን ጾም ኣርብዓ ሱባኤን ጸሎትን ጾምን፥ ትእውጁን ገዳምኩም እትኣትዉን እምበር፥ ኣኼባ ዝግበሮ እዋን ድዩ?
  2. ስለምንታይ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓዊ ነዲዱ? ኣባ ሉቃስ ስለምንታይ ንመጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ርኩስ ኢልኩም? ቅድም ግን https://www.youtube.com/watch?v=ONevo1O9n5k&feature=share ረኣይዎ፥ ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይኮነን እቲ ዝነደደ ኢሎም ንክኽሕዱ ምንም ጸገም ስለ ዘይብሎም።
  3. እቶም ”በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ” ኢሎም ዝቐብኡኹም ፓትርያርክ ኤርትራ ኣቡነ እንጦንዮስ ስለምንታይ ኣውሪድክሞም? ስለምንታይከ ኣእሲርክሞም? መናፍቕነት እንተ ኣለዎም፥ ንስኹም ብመናፍቕ ዝተቀባእኩም ከመይ ኢልኩም ጳጳስ ክትኮኑ ትኽእሉ? ብመናፍቕ ዝተቐብአ መናፍቕ እንድዩ? ብዘይፍቓድ ፓትርያርክ ከመይ ኢልኩም ትንቀሳቐሱ? ሲኖዶስ ድላዩ ክገብር ስልጣን ኣለዎ ክብሉ ስለ ዝእክሉ ወይ ድማ ዘይኮነ ጸለመ ከጸልሙ ስለ ዝኽእሉ ግን ቅድምኣቡነ እንጦንዮስ ዝተኸሰስዎ ክስን ዝሃብዎ መልስን ኣብ http://tewahdo.org/index.php?option=com_content&view=article&id=232%3Atest&Itemid=80ኣንብቡ።

ስልጣን ፓትርያርክ ከመይ ይመስል http://tewahdo.org/images/stories/news/Pat_Autority.pdf ዝብል ጽሑፍ ኣንብቡ

  1. ኣሽሓት መንእሰያት ካብ ሃገር ይበርሱን ይጠፍኡን ኣለዉ። ኣማኢት ድማ ኣብ ቀላያት መደትራንያን ሃሊቖም፥ ይትረፍ ክትፈትሕዎም መጸናንዒ ቃላት’ውን ኣየውጻእኩምን፥ ሕጂ ደኣ ካብ ዓዲ ክንስደድ ደፊእኩም ስለምንታይ ደድሕሬና ትስዕቡና?
  2. እቲ ካልእ መልእኽቶም በቶም ለኣኽቶም ዝተላእክዎ፥ ንስም ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን፥ ኣቡነ መቃርዮስን  ንምጽላምን ስም ንምኽፋእን እዩ። ንምዃኑ ንስኹም ብዛዕባ እቶም ፖለቲከኛታት ኣብ ሃገርና ዝገብርዎ ዘለዉ ግፍዕን፥ ሕገ ኣልቦ ማእሰርትን ግፍዕን ተቓዊምኩምዶ ትፈልጡ? ቅድም ግን ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ መጋቢት 2011 ኣብ ማልታ ዝጠሓሉ 450 መእሰያት ዝበልዎ ቃል፡https://www.youtube.com/watch?v=lUl5mu45z7Aቀዳማይን ካልኣይን https://www.youtube.com/watch?v=2rcji0ApBUI ምእንቲ ሕዝቦም ዝበኸይዎን ንመራሕቲ ሃገር ዝሃብዎ ስምዕታን ተመልከቱ። ኣብ ጥቅምቲ 2013, 360 መንእሰያት ኣብ ላምፐዱሳ ኢታልያ ሃሊቖም ዓለም ምሉእ ኣእውዩሎም። ንስኻትኩምከ? እንታይ ገበርኩም?
  3. ሰሜን ኣሜሪካ ይኹኑ ኣቡነ መቃርዮስ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዘይትምህሮን ዘይትኣምኖን ሃይማኖት ዶ ምሂሮም እዮም? እንተ ኣሎ ኣየናይ እዩ? ስእሊ ስላሴ ኣብ ሃገርናን ኣብ ኢትዮጵያን እዩ ዘሎ፥ እዚ ድማ ኣብ ዘመነ መንግስቲ ጎንደር ዝተኣታተወ እዩ ኣብ ካልእ ኣብያተ ክርስቲያናት ግን የለን ስለ ዝበሉ፥ ስላሴ ከም ዝኸሓዱዶ የርኢ እዩ? ከምኡ እንተ ኾይኑኸ፥ እተን ስእሊ ስላሴ ዘይቅበላ ናይ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ከመይ ገይሩ ሓድነት ምሳና ክህልወን ይኽእል?
  4. ኣዳማዊ ውርሻ (ጥንተ- ኣብሶ) ዝብል ቃል ናይ ኩለን ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት፥ ናይ ኢትዮጵያ ፓትርያርክ ዝነበሩ ኣቡነ ጳውሎስ፥ ናይ ወጻኢ ዝነበሩ ኣቡነ ይስሃቅ፥ ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን፥ ናይ ሶርያን ህንድን ፓትርያርክ፥ ናይ ግሪኽ፥ ዝሃብዎመልሲhttp://medhanialemeotcks.org/ ኣንብብዎ እሞ እንታይ እዩ ደኣ እቲ ጌጋ ዝብል ሕቶ ኣቕርቡሎም። ኣባ ሉቃስ እንታይ ይብሉ ድማ ካብ ቃሎም ትሰምዕዎ።
  5. ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ እትኣምኖ እምነት ዘይትቕበሉ እንተ ኮንኩም ደኣ፥ ስለምንታይ ብፓትርያርክ እንጦንዮስ ተሾምኩም? ከመይሲ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ጵጵስንኦም ኮነ ፓትርያርክነቶም ብናይ ግብጺ እዮም ተቐቢኦም። ምናልባት እቶም ፖለቲከኛታት ዝደግምዎ ቃል እዮም ክብሉ፥ ንሕና እኮ ናጻ ሃገር ናጻ ቤተ ክርስቲያን ኢና” እያ እታ ዝምልስዋ፥ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ግን ናጻ ናይ ፖለቲካ ክበትኮ ይኽእል ድዩ? ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኣ እሞ፥ ብሥጋ ኣይሁዳዊ እንድዩ።  ነጻ እንተ ዀንና ንምንታይ ደኣ ንስዕቦ? መልሲ ክረክቡሉ ኣይክእሉን እዮም።

ምእመናን: ንእምነትኩም ፈሊጥኩም ንሓቂ ደው በሉ። ንኣምላኽ እምበር ንሰብ ምፍራህ ኣይግባእን።

ብውልቀሰባት ኣብ ምስጢራዊ ባንክ ስዊዝዘላንድ ኣስታት 699.6 ሚልዮን ዶላር ብስም ኤርትራውያን ተቐሚጡ ኣሎ፡

ብውልቀሰባት ኣብ ምስጢራዊ ባንክ ስዊዝዘላንድ ኣስታት 699.6 ሚልዮን ዶላር ብስም ኤርትራውያን ተቐሚጡ ኣሎ።

approx-699mብመሰረት እቲ ተቓሊዑ ዘሎ ጸብጻብ ምስጢር ዓማዊልን ዘዋህለልዎ ብዝሒ ገንዘበን ናይቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ HSBC ዝተባህለ ባንክ ዓለማዊ ኣገልግሎት ዝህብ ብስም ኤርትራውያን ብምስጢር ዝተቐመጠ መጠኑ ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ገንዘብ ኣብ መበል 53 ደረጃ ክስርዑ ዝኸኣሉ 699.6 ሚልዮን ዶላር ብምውህላል’ዩ።

39-bank-accountsእቶም ነዚ ገንዘብ ብሱቱር ዘቐመጡ ውልቀሰባት  699.6 ሚልዮን ዶላር ዘዋህለሉ 32 ዓማዊል ካብ ኤርትራ ምዃኖም ሰነድ ናይቲ ባንክ ከም ዘረጋገጾን፡  28 ሚእታዊት ኤርትራዊ መንነት ክህልዎም እንከሎ ዝተረፉ ክልተ ዜግነት ዘለዎም እዮም።  ገሊኦም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ገሊኦም ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ከምዝኾኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ‘ሎ።

32-cliesntsእዚ ተቓሊዑ ዘሎ ሰነደ ካብ 1981 ክሳብ 2006 ዓ. ም. ጥራይ  24 ናይ ባንክ ሕሳብ ዝኸፈቱ ብዝተፈላለየ ጨንፈራት  ናብ 39 ባንክሕሳብ ዘጠቓልል ምዃኑ ዝገልጽ ሓበሬታ ተዘርጊሑ ኣሎ።  ካብ 2006 ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ገና ዘይወጸ ምስጢር ኣብቲ ናይቲ ባንክ ሰነድ HSBC ከም ዘሎ ዘየጠራጥር እዩ።

 

Global call for release of Eritrean Orthodox church head, under house arrest for 8 years

As the eighth anniversary of the removal of the Eritrean Orthodox Patriarch passes, the US Commission on International Religious Freedom (USCIRF) has issued a global call for his release.

Patriarch Abune Antonios, head of the Eritrean Orthodox Church, is the rightful leader of the east African country’s largest religious community.

The Eritrean authorities removed him from his position in January 2006 for failing to comply with a government order to excommunicate 3,000 parishioners who had opposed the government. Antonios had also called for the release of political prisoners.

In May 2007 he was taken from his home and put under house arrest. The government replaced Antonios with Bishop Dioscoros of Mendefera.

”We call on the Eritrean government immediately to release Patriarch Antonios and the more than 2,000 people imprisoned for their religious beliefs. Religious freedom is a fundamental, universal human right,” said Lantos Swett, chair of USCIRF in a statement.

”Unfortunately, this anniversary reminds us that these rights, as well as other human rights, have been denied to the people of Eritrea for more than two decades,” he added.

The Commission said the Patriarch suffers from severe diabetes and has been denied access to medical assistance.

Eritrea is listed ninth on Open Doors’ World Watch List of the 50 countries where it is most difficult to live as a Christian.

Since 2002 only four religious communities have been recognised by the regime, which has been governed by President Isaias Afweki since 1993.

The four recognised religions are the Coptic Orthodox Church of Eritrea, Sunni Islam, the Roman Catholic Church and the Evangelical Church of Eritrea. But the government has a tight control on all religious activities – even those that are registered.

But without this recognition, religious groups cannot gather in public. The situation is particularly difficult for evangelical and Pentecostal Christians and Jehovah’s Witnesses.

Those who are imprisoned on religious grounds, often not on any formal charges, can be subject to mistreatment and torture. Some Protestants and Evangelicals who have been released report being pressurised to give up their faith.

By: Christian Today

ኣብ ኣስመራ ንለውጢ ዝጽውዑ ደርፍታት ብዓውታ ተሰሚዖም


ኣብ ኣስመራ ንለውጢ ዝጽውዑ ደርፍታት ብዓውታ ተሰሚዖም


ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኖም ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምንጋስ ዝቃለሱ ዘለው ኤርትራውያን ነቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ካልኣይ ዓመቱ ዘቑጸረ ስርሒት ፎርቶ ብኽብሪ ከም ዝዘከርዎ ኣባልት ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተኻየደ ናይ ዝኽሪ ስነ-ስርዓት፡ “ቪቫ ፎርቶ 2013” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻየደ ምዃኑ’ውን ዝበጽሓና ዜና ይገልጽ። እቲ ዝኽሪ ካብ ኣብ ደገ እንርከብ ኣባላ ዓርቢ ሓርተት ዝረኸብዎም ደርፍታት ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ቴፕ ብምእታው ኣብ ብዝሒ ሰብ ዝርከቦ ቦታ ብዓውታ ብምውላዕ ሞራል ሰማዕቲ ክብ ከም ዘበሉ ሓቢሮም። ነዚ ንምግባር እታ ቴፕ ኣብ ናይ ህዝባዊ መደወሊ ቴሌፎን ብኮላ ኣላጊቦም ኣብ ልዕሊኣ ድማ ”ካልኣይ ዓመት ዝኽሪ ስዓድ ዓሊ ሕጃይ (ወዲ ዓሊ)፡ ዓርቢ ሓርነት፡ ቪቫ ፎርቶ 2013” ዝተጻሕፎ ካርቶን ለጊባ ከም ዝተገድፈት ሓቢሮም።

እዚ ናይ ዝኽሪ ስርሒት ቀዳም 24 ጥሪ 2015 ካብ ሰዓት 10፡30-11፡45 ቅ.ቀ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ኣብ ከባቢ ዕዳጋ ሓራጅ ከም ዝተፈጸመን፡ እቲ ብረዚን መልእኽቲ እቶም ዝተደርፉ ደርፍታትን ተባዕ ስጉምቲ ናይቶም ነዚ ዘካየዱ ኣባላት ዓርቢ ሓርነትን ዝተደነቐ ሰማዒ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ፡ እቲ ዝተኻየደ ናይ ዝኽሪ ስርሒት ነቲ ዝድለ ዘሎ ለውጢ ግብራዊ ኣብ ምግባር ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ምዃኑ ይዛረብ ኣሎ። ብፍጻሜ ናይዚ ጉዳይ ዝሰንበዱ ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ከኣ ኣብ ቦታ ፍጻሜ ተረኺቦም ነታ ቴፕ ከም ዝወሰድዎ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ። እቶም ዝተደርፉ ዝተፈላለዩ ደርፍታት ነዚ ህዝቢ ኤርትራ ዳግማይ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ሓርነት ቃልሲ ዝገልጹን ህዝቢ ሓቢሩ ኣንጻር ምልኪ ንኽቃለስ ዝጽውዑን እዋናዊ ደርፍታት እዮም ነይሮም። እዘን ዝስዕባ ማለት “ሸጥ መዓንጣና” ናይ ወዲ ትካቦ፡ ”ማማ ትሓመናላ” ናይ ምሕረተኣብ፡ ”ኣይት ዓንቅፉኒ” ኣልማዝ ኣረጋይ (ለሚን)፡ ”ትም” መምህር ሑሰን መሕመድ ዓሊ፡ ”ደቀይ ደቀይ በሊ” ሃኒ ምሕረተኣብ ገለ ካብተን እተደርፋ ደፍታት እየን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ወጻኢ ውን ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብሓገዝ ናይ ተክኖሎጂ ብፓልቶክ ተሰንዩ ዝኽሪ መበል ካልኣይ ዓመት ከም ዝተኻየደ ንሕብር። ክብርቲ ጋሻ ናይቲ መደብ ኮይና ዘምሰየት ብዓልቲ ቤት ሓርበኛ ስውእ ኮ/ ስዒድ ዓሊ ሕጃይ ውይዘሮ በኪታ እድረስ ዑመር ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺባ ናይ ምስጋናን መተባብዕን ምልእኽቲ ኣመሓላሊፋ፡፡ ብዘይካ እዚ ሓደ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ውን ንመጀመርያ ግዜ ብቐጥታ ብቴለፎን ብምድዋል ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝካይድ ዘሎ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ዝምልከትን ሓበሬታን ናይ መተባብዒ መልእኽትን ኣስሚዑ። ሕመረት ናይቲ ንታህዲድን ፈኸራን ስርዓት ህግደፍ በዲሁ ካብ ውሽጢ ኣስመራ ዝተፈነወ መልእኽቲ ከኣ ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ሓቢሮም ክሰርሑን ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ ምንቕስቓስ ክድግፍዎን ዘዛኻኸረ እዩ ነይሩ። ቕዳሕ ናይቲ ዝክሪ ንምስማዕ አብዚ ጠውቁ፡ https://www.youtube.com/watch?x-yt-ts=1421914688&x-yt-cl=84503534&v=QHdrOV650HY&list=UUNkqhfPUpW4HS7Bvqu2NNOg

እቲ ኣብ ወጻኢ ዝተኻየደ ናይ ዝኽሪ ስነ ስርዓት ብ ምትሕብባር ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነትን፡ መእዲ ዘተ ፓልቶክ ስመርን ካልኦት ግዱሳት ዜጋታትን ዝተወደበ እዩ ነይሩ።


24 ጥሪ 2015
ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት
ሓበሪታ፡ እዛ ስእሊ ተጠቂምናላ ዘለና ምድላዋት እንዳተገበረ ዝተሳእለት እያ።