ማሕጎማ!

ማሕጎማ!
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/
23 መጋቢት 2015

ሓቂ ዝኾነ ዜናታት ኢዩ ዝስማዕ ዘሎ። ነቭሱን፡ ካናዳዊ ተሻራኺ ትካል ወርቂ ቢሻ’ውን ትማሊ 22 መጋቢት 2015 ብዛዕባ እቲ ኣብ ቢሻ ዝወረደ ዕንወት /Vandalism/ ጋዜጣዊ መግለጺ ገይሩ ኣሎ። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብድሕሪ ነዊሕ ኣብ ውሽጡ ዝዛሪ ዝነበረ ረሳሕ ደም፡ ሎሚ ተሓጒሙ ኣሎ።

ጎረቤት’ኳ ይረድእ ኢዩ። ለዋህ ጎረቤት ምርካብ ግን ዕድል’ዩ። ወዲ ሰብ ወይ ዕድለኛ ህዝቢ ከኣ፡ ከም ወዝቢ ለዋህ ጎረቤት ይፈጥረሉ ኢዩ። ኣብ ጎረቤትካ ወይ ነጸላ መንደቕካ ኣውያትን ገዓሮን ኣብ እትሰምዓሉ ግዜ፡ ናይ ሕልና ሓገዝ ንክትገብር ትሕተት ኢኻ። ናይ ሕልና ሓገዝ ኣብ እትገብረሉ ግዜ፡ ዋጋ ምኽፋል’ውን የጋጥም ኢዩ። ሕልና ከኣ እቲ ኣብ ወዲ ሰብ ጥራይ ዝርከብ ፍሉይ ተፈጥሮኣዊ ህያብ ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ሓደ ዘርኢ መርገም፡ ንደርዘናት ዓመታት ዝርንዝሕ ነቢዑ ኢዩ። ወይ መስደምም! ወዲ ሰብ’ዶ ን24 ዓመታት ብሓንቲ ሓለንጊ ይግረፍ’ዩ? ዝብኢ ብእግርኻ ንዝጀመሮ ምብላዕ ኣካላትካ፡ ክሳብ ጸጊቡ ዝኸይድ ኢልካ’ዶ ንሞት ትጽበያ ኢኻ? ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዝተጠምጠሞ ኣሰለት፡ ክቐትል ስለዘይከኣለ፣ ገንዘቡን ንብረቱን ምዝማት ጥራይ ከይኣኽሎስ፣ ደሙ’ውን ብሓደ ገበነኛ ውልቀ-መላኺ ንፍርቂ ዘመን ተመጽዩ ኢዩ። ነዚ ኣሰለት እዚ ንምቕታል ብዙሕ ፈተነታት ተገይሩ’ኳ እንተኾነ፡ ናይ ጽሕፍቶ ጉዳይ ግዲ ኮይኑ፣ ኣይሰለጠን።

እዚ ህዝቢ’ዚ ብሰንኪ እቲ ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ክሳብ ሎሚ ብገዛእ ገንዘቡን ንብረቱን ዘገበሎ ሓደገኛ ኣሰለት፡ ኣብ ፈቐድኡ ኡይይ! እናበለን እናገዓረን ኣብ ዘለወሉ ግዜ፡ ካብ ጎረባብትና ሃገራት ብሓፈሻ፡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ብፍላይ፣ ግብራዊ ረድኤት ብዘይምርካብና ክንሓሚ ጸኒሕና ኢና። እወ ከምቲ መንግስቲ ታንዛንያ ንገስረጥ ስርዓት ኢዲ ኣሚን ኣልያ፡ ንህዝቢ ኡጋንዳ ሃገር ዘረከበቶ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ልዕሊኡ ተደጋጋሚ ግብረ ሽበራ እናተኻየደ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ዓዋሉ ኣድማዒ ስጉምቲ ብዘይ ምውሳዱ፡ እወ ብልክዕ እምበር’ዶ ናይ ነገር ጣቋ’ዩ እናበልና ክንሓሚ ጸኒሕና ኢና።

እዚ ሎሚ ተጀሚሩ ዘሎ ማሕጎማ ከኣ፡ ክሳብ እቲ ረሳሕ ደም ኢሳይያስ ፈጹሙ ዝጽንቀቕ ዛውራይ ክደሊ’ዩ። ብድሕሪ እዚ ማሕጎማ’ዚ ብዙሓት እቶም ‘ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና’ ዝብሉ ኣኽላባትን ኮራኹርን ህግደፍ ዉሕዉሕ ክብሉ ኢዮም። ብዙሓት ኣድበይቲ’ውን ብስም ሉኣላውነትን ምኽባር ክሊ ኣየርን ክነብሑ ንክንሰምዕ ክንጽበ ኢና።

እዚ ዘራጊ ሰላም፡ እዚ ናይ ጥፍኣት ወኪል ዝኾነ ስርዓት፡ ምስ ኩላተን ንኤርትራ ብባሕሪን መሬትን ዘዳውባ ሃገራት፡ ኲናትን እምባጋሮን ክገብር 24 ዓመታት ዘቑጸረ ስርዓት ሸፋቱ፡ ኣገዳሲ ማሕጎማ ብዘይምርካቡ ናብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራት ኢዱ እናመለሰ ንሙሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣናዊጽዎ ጸኒሑ ኢዩ። ብፍላይ ድማ ምስ ጎረቤት ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ። እቲ ብምብራቕ፡ ብወገን ሶማል ሰራዊት ኤርትራ ኣዋፊሩ ዝጀመሮ ናይ ምብትታን መስርሕ ምስ ፈሸሎ፡ ክሳብ ናብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ ዓለም ዝኾኖኖ ግብረ ሽበራ ክገብር ከም ዝጸንሐ ምስክር ዘየድልዮ ርኡይ ሓቂ ኢዩ። ሓንሳብ ጋዜጠኛታት ብምጭዋይን ምቕታልን፡ ጸኒሑ ፈንጂ ምቕባርን ምዕግርጋርን ኣየቋረጸን። ‘ኣመል መስ መግነዝ’ ከም ዝበሃል፣ ገበነኛ ኢሳይያስ ክሳብ ዕለተ ሞቱ፡ ገና እከይ ተግባራት ካብ ምግባር ኣይክድቅስን ኢዩ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብዙሓት ናይ ዜና ማዕከናት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መዐደኒ ማእከል ወርቂ ቢሻ ዝተገብረ መጥቃዕቲ /ተርግእ/ ይዛረባ ኣለዋ። ስለዚ እቲ ኣብ ልቡ ረሳሕ ደም ዝጭንጉዕ ዝነበረ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ዕለት 20 መጋቢት ዘውግሐ ለይቲ፡ ማሕጎማ ረኺቡ ኣሎ ማለት ኢዩ። ማሕጎማ ካብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ! ዛጊት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ወይ ብስርዓት ህግደፍ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ’ኳ እንተዘየሎ፡ ‘ዘይተፈስወ ነይጭኖ” ከም ዝበሃል፡ እቲ ተጨንዩ ዘሎ ሓበሬታስ ሓቂ ኢዩ ዝመስል ዘሎ። ሰባት ኣብ ቢሻ ንነዊሕ ሰዓታት ዝቐጸለ ትኪ ከም ዝረኣዩ፡ ብመንገዲ ኣቑርደት ናብ ሳዋ ዝኸዳ ዝነበራ ተሽከርከርቲ ከም ዝተኸልከላን ብዙሕ ሸበድበድ ሓለፍቲን ከም ዝረኣዩ ሓቢሮም ኣለዉ።

እቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ጅማት ኢሳይያስ ተተኺሉ ዝነበረ ኢንፍዩዥን ወርቂ ቢሻ’ምበኣር ደጊም ተበቲኹ ኣሎ። ከምቲ ‘ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ’ ዝበሃል፣ ኣንቱም ኢሳይያስ ፍሽኽ እንተበለኩም ናይ ወርሒ ቀለብ ዝመስለኩም፡ ኣንቱም ንሱ እንተሓመመ ምስኡ እትሓሙ፡ ካብ ሎሚ ንደሓር’ምበኣር ጥዕና ቅበጹ። ኣንቱም ካብ ወርሓዊ ኣታዊኹም 2% ዶላር ብምኽፋል ንስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ከተናውሑ ዝጸናሕኩም ከኣ፡ ሕጂ ንሱ ክንዮ ዶላራት፡ 2% ደም ይደሊ ኣሎ’ሞ ሃየ ናይ ደም ወፈያኹም ኣይተጉዱሉ። ምኽንያቱ ሎሚ ኢሳይያስ ኣብታ እተሕምሞ ኣካሉ ኢዩ ተሓጒሙ ስለዘሎ።

‘ኣንታ ተሰማ፡ ኣብ ምንታያ ዲኻ ትሓጉማ!’ ምስ ተባህለ እቲ ሓጓማይ፡ “ኣብታ ተሕምማ” ኢሉ መለሰ ይበሃል። ሎሚ’ምበኣር ኣያኹም ኢሳይያስ ኣብታ ተሕምሞ መላግቦ ተሓጒሙ ኣሎ’ሞ 2% ደም ዝልግስ እንተሎ ሃየ ንሕጂ ርድኡ። መላቓሳይ ጸዊዕኩም’ውን ወየ በሉ። ወየ…! ኣንበሳ ናቕፋ’ዶ ኣይነበርካን፡ ወየ…ጂኦመትራ ገርሰት’ዶ ኣይኮንካን፣ ወየ…! ፕረዚደንት! ወየ! ኣቦ መንበር ህግደፍ! ወየ! ወየ…!! ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል’ዶ ኣይነበርካን፡ ኣበይ ደኣ ኣበለ ራዳርካ … ድቃስ ድሙ’ዶ ደቂሰን ሚጋትካ ወየ…ወየ በልሉ ኢኹም።

እዚ ቅልጽሙ እንተሓበጠ ዝዓንተረ ዝመሰሎ ቦኽባኹ ስርዓት ህግደፍ፡ ንመሬት ኣይትጽርኒ ይብላ ከም ዘይነበረ፡ ሎሚ ሕብእኒ ይበላ። ‘ንማዕጺድ ትውሕጥያ’ሞ ምውጽኣ ይኸፍኣኪ’ ከም ዝበሃል፣ ግብረ መልሲ ናይቲ ኩሉ እከይ ውጥናት ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ካምፖ ቦሎ፡ እነሆ ሎሚ ናብ ማይ ከም ኣኣተወት ኣንጭዋ ህጣም እቲ ግናይ ርክያሞኣ ጠፊኡ። ‘ድሕሪ ጥራጥ፡ እግሪ ምእካብ!’ ከም ዝተባህለ፣ ብቢሻን ብማይ ዕዳጋን ብድርብ መሰንገለታቱ ተሓጒሙ ክነሱ ከኣ ከም ወረጃ ኢዱን እግሩን ኣኪቡ ትም መሪጹ።

ማሕጎማ ግርም ዝኾነት መድሃኒ ኢያ ዝነበረት ቀደም ከምዚ ሎሚ ተክኖሎጂ ከይማዕበለ እንከሎ። ማሕጎማ ንዝተበላሸወ ወይ ዝረግአ ደም፡ ካብ ውሽጢ መጽያ እተውጽእ ቀርኒ ኢያ ዝነበረት። ንሕሙም ማሕጎማ ምስ ተገብረሉ፡ እቲ ዝተረፈ እኽብካብ ደም ናብ ሓደ ከባቢ ምስ ተዋህለለ፣ ዳግማይ ማሕጎማ ይግበረሉ ኢዩ። እዚ ዳግማይ ማሕጎማ ብቋንቋ ትግርኛ፡ ዛውራይ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሕጂ’ምበኣር ኢሳይያስ ግሩም ብዝኾነ ኣተሓጓጉማ ተሓጒሙ ስለ ዘሎ፡ መዐገሲ መድሃኒት ረኺቡ ኣሎ። ጽንሕ ኢሉ ትልኽ ምስ ጀመረ ግን ዛውራይ ክደሊ ኢዩ። ግሩም ርኤና በለ ኣባ ጊምባሕ በረኻ! እነሆ ድማ ኣብ ዕለት 20 መጋቢት ዘውግሐት ለይቲ፡ ግሩም ርኢና።

መዐደኒ ወርቂ ቢሻ እታ ንስቅያት ህዝቢ ኤርትራ መናውሒት ዝነበረት ትካል ኢያ። መዐደኒ ወርቂ ቢሻ እታ ንህግደፍ ቅልጽሞም ዘሕበጠቶም ጉድጓድ ኢያ። ቢሻ እታ ሕልሚ ኢሳይያስ ንክትትግብር ትጽቢት ዝተገብረላ ወርቂ ዝመልአት እንተሊ ኢያ። እህምምም! ከምቲ ‘በጥ በል ሽደን፡ ብጻይና ኣይኮነን ወደያ ግብረቱ’ ዝበሎ ሰብኣይ በዓል እምባደርሆ፤ ሕጂ’ዶ ይሓይሽ ኢሳይያስ ደኣ’ሞ ከይሰሓቑኻ ምስሓቕ? እታ ኣብ እግሪ ደብር ቢሻን ከባቢ ዓድ ገናድን እትርከብ መዓደኒት ትካል፡ ደቃ ኣብ ሲናይን ባሕሪታት ብካዕበት ይሃልቁን ይስደዱን፡ ኣባይቲ ህዝቢ ብዶዘራት ይዓኑ፡ መንእሰያታ ኣብ ሓመድ ሳዋ የንገርግሩን ንደቂ ደምህትን ደቂ ግንቦት 7ን ድማ ትቕልብን ትከናኸንን ዝነበረት ቅሚጦ ኢያ።

ብዛዕባ ቢሻ ብዙሕ ኢዩ ተዘሪቡን ተባሂሉን። ‘እንዳ ጃህራ ድራሮም፡ ሸውዓተ መጎጎ ኣጒዶም ጾሞም ይሓድሩ’ ከም ዝበሃል፡ ካብ ቢሻን ወርቂ ቢሻን ከኣ ብዘይካ ጃህራን ብደዐን ንህዝቢ ዝዕደል ቅጫን ሃንዛን ኣይረአናን። ክንደይ ጃህራ ዘይሰማዕና! እንቋዕ ደኣ ምዕዳን ቢሻ ተጀመረ’ምበር፡ ኤርትራ ወርቂ ንወርቂ ክትተፍእ ኢያ፡ ወይልኹም ጸላእቲ ኢሳይያስ ክበሃል ሰሚዕና። ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝነበረ ግርማይ ገብረማርያም /ሳንቲም/ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ “… ኤርትራውያን ደቀንስትዮ እቲ ኣብ ቢሻ ዝወደቐ ንጋፍ ወርቂ ጥራይ ንስልማት ይኣኽለክን ኢዩ” ኢሉ ነበረ።

ኣንታ ዓሻ መጣቕዒ ህዝቢ! ኣሎ ተካል ዕልልታ፡ ኣሎ ከኣ ርሑስ ኣውያት! ኣንታ ብርሑስ ኣውያት እትስዕስዕ ህዝቢ፡ ኣንታ ምቁር መርዚ ህግደፍ ዘይኮኽየካ ማህቡል! ቢሻን ወርቂ ቢሻን’ኳ ንብረትካ ንብረት ኤርትራውያን ኢዩ። እንተኾነ ገበነኛን ገባቲን ስርዓት ኣብ ሃገር ክሳብ ዘሎ፡ ኩሉ ኣብ ልዕሊ መሬት፡ ትሕቲ መሬትን ማእከል ባሕሪን ዝርከብ ጸጋታት ኤርትራ፡ ዝብጻሓና ኣይኮነን። ኢሳይያስ ብሂወት ክሳብ ዘሎ ወርቂ፡ ባህርያዊ ጋዝ፡ ነዳዲ፡ ፖታሽ ወ.ዘ.ተ… ኣይንታይናን ኢዩ። ክንድ ዝኾነ ኢዩ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሰሙናት፡ እልቢ ዘይብሉ ዶላራት ኣብ ባንክታት ስዊዘርላንድ ከም ዝተቐመጠ ዝተፈልጠ።

‘ኣነ ዝምነ ወርቂ ቢሻ፡ ኢሳይያስ ዝሃበኒ ክላሽን ራሻ’ እዚ’ውን ድንቂ ዝኾነ ደርፊ ኢዩ። እዚ ኣረጊት ስርዓት መንእሰያት ወዲኡስ ሎሚ ናብ ኣስናንኖም ዝወድኡ ደቂ ስሳን ሰብዓን ምዕጣቕ ኣትዩ ኣሎ። ኣብዚ ርእሰ ምትእምማን ኣጥፊኡሉ፡ መኣዝኑ’ውን ተዘናቢሉሉ ዘሎ ናይ ጽልግልግ ግዜ፡ ከምቲ ቦምባ ትኪ ደርብዩ ዝሃድም ደባይ ተዋጋኢ፡ ኢሳይያስ ክንሃድም’ውን ናይ ኣጥፊእካ ምጥፋእ ላኼማ ምግባር ክህቅን ከም ዝኽእል ንግምት።

ስለዚ ኣንታ ህዝቢ! መመሊስካ ናብ ክትወጽኦ ዘይትኽእል ህጉም ከይትሽመም፡ ሰናድርካ ኣይትዓበስ፤ ሕጂ ንገበነኛ ኢሳይያስ በቲ ዓጢቕካዮ ዘለኻ ሰናድር ኣላህሞ። ድሕሪ እዚ ፍጻሜ’ዚ ሰበብ ክህሉ ኢዩ። ከምቲ ‘ኣብ ክንዲ ንቀራናት፡ ንጓዕማማት’ ዝበሃል፡ ግብረ መልሲ ናይዚ ወሪዱዎ ዘሎ ከቢድ ማሕጎማ፡ ንብዙሓት ሰባት ክኣስርን ክቐትልን ክንጽበ ኢና። እዚ ከኣ እቲ ኢሳይያስ ንፍርቂ ዘመን ዝሰርሓሉ ሜላ ምዃኑ ስለ እንፈልጥ፡ ዘይተርፍ ዕዮ ኢዩ። ወዮ ብቀደሙ ክፉእ ስኒ፡ እንጣጢዕ ቁሒሙ ይስሕቀኒ! ሕጂ ከኣ መመኽነይታ ስለዝረኸበ፡ ንምእሳር ኣጻዊዱሎም ዝጸንሐ መኮንናት ክለቕሞም ከም ዝኽእል ከይደቀስና ዝሓለምናዮ ጉዳይ ኢዩ።

ግሩም ማሕጎማ! ኣንታ ደላዪ ፍትሒ ኤርትራዊ፡ ብስሙር ድምጺ ዘይከምዚኣ’የ ደልየ፡ ዘይከምዚኣ’የ እናበልካ ሓባሪ ኮምፓስካ ኣስተኻኽል። ግሩም ማሕጎማ! እወ፡ ኣንታ ኦሮማይ!! ኢልካ ኣብ ደረት ቅብጸተ-ተስፋ ዝጸናሕካ ደምበ ተቓውሞ፣ እታ ንነዊሕ ዓመታት ዓለባ ሳሬት ዝተሸፈነት ቢኒኮሎኻ ወልዊልካ ኣነጻጽራ። እወ! ከምቲ “…ይመልኣዮ” ዝበሎ ኣቦይ ተኸስተ በዓል ዓዲ ንፋስ ድማ፡ ማሕጎማ ንኢሳይያስ ይመልኣዮ።

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.