ኣገዳሲ ህዝባዊ መጸዋዕታ ንህዝቢ ደንቨር – ኮሎራዶ፤

Eritrean National Council for Democratic Change
North America Branch
ኣገዳሲ ህዝባዊ መጸዋዕታ ንህዝቢ ደንቨር – ኮሎራዶ፤

መስርሕ ምድላው ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምቅልጣፍን፡ ዕዉት ጉባኤ ንምክያድ ዘኽእለና ዓቕሚ ንምውህላልን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ንህዝቢ ደንቨርን ከባቢኣን ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ንምክያድ ተዳልዩ ኣሎ። ኣብ ዝካየድ ኣኼባ፡ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ከይዲ ሃገራዊ ባይቶን ብሰፊሑ ድሕሪ ምግላጽ፡ መረጻ መሪሕነት ዓንኬል ደንቨርን ከባቢኣን ክካየድ እዩ።

ነዚ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ዕዉት ንምግባር ዝከኣሎ ምትሕብባራት ንዝገብር ኩሉ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ኣቐዲምና ነመስግን።

ዕለት፡- ሰምበት May 3, 2015
ቦታ፡- Eritrean Community Center
6677 Leetsdale Dr., Denver CO 80224
ግዜ፡- 3፡00 PM
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ – ዞባ ሰሜን ኣመሪካ

ኣዋድቓ ፈረስ !

ኣዋድቓ ፈረስ !
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/
22 ሚያዝያ 2015

ኣዋድቓ ፈረስ ንሓደስቲ ወለዶና ጋሻ ዝኾነ ቃል ኢዩ። እዚ ቃል እዚ ክልተ ተበኣስቲ ወይ ክልተ ኣብ ሓያል ቅልስ ዝተጸምዱ ሰባት ወይ ጉጅለታት ክልቲኦም ብማዕረ ክወድቁ እንከለዉ ዝበሃል ቃል ኢዩ። ንህሉው ኩነታትና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነዚ ቃል እዚ ፖለቲካዊ ጥምቀት ከጠምቖ ደልየ። ንጉዳይ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን መግዛእቲ ጨካን ኢሳይያስን ኣመልኪተ ድማ፡ ውጽኢት እዚ ናይ ክልተ ተቐናቐንቲ ወገናት ኣዋድቓ ፈረስ ክብሎ መሪጸ። ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ነቲ ካብ ነዊሕ መዋእል “መግዛእቲ ቱርኪ” እናበለ ንምረት ሂወት ዝጥቀመሉ ዝነበረ ሓረግ፡ “መግዛእቲ ኢሳይያስ” ብዝብላ ቃላት ቀይሩዎ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መዋእሉ፡ ካብ ግዝኣት ቱርኪ ክሳብ ግዝኣተ-መንግስቱ ሃይለማርያም፣ ከም መግዛእቲ ኢሳይያስ ዝኸፍእ ስርዓት ርእዩ ኣይፈልጥን ኢዩ።

ገበነኛ ኢሳይያስ ህዝቢ ኤርትራ ንምንብርካኽ፡ ንሓዋሩ ኣላሽ ንምባሉን ኣሎ ዝበሃል ክእለቱን ጥበቡን ተጠቒሙሉ ኢዩ። ብሰንኪ እቲ ግናይ ጥጅእ፡ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ስደት፡ መሸጣ ኩሊት ሲናይ፡ ቀለብ ዓሳታት ባሕሪ ጥራይ ከይኣክል፣ ሕጂ ከኣ ከምዚ ሎሚ ኣብ ዜና ዝሰማዕናዮ፣ ግዳይ ማሕረዲ ኣይሲስ /ISIS/ ንምዃን ጀሚሩ ኣሎ። እቲ ቀደም ኣብ ውሻጠ ጃንሆይ ብጌሶን ቡቕሊን ዝተጠጅአ ውራይ ኢሳይያስ፡ ንኤርትራን ህዝባን ናብ ዕዳጋ ሓራጅ ንምውራድ ኢዩ ነይሩ ዕላምኡ። ከምቲ ኣብ ዕዳጋ ሓራጅ ሱዳን “መርሑም ገድረክ” እናበሉ ክዳውንቲ ዝሸጡ ነጋዶ፡ ገበነኛ ኢሳይያስ እውን ኤርትራ ንምሕራጅ ድሕር ዝብለሉ ጉዳይ የለን።

ምህዳም ህዝቢ ጥራይ ከይኣክል ከኣ፡ ብርሃነ ዝተባህለ ወዱ ዝሃድመሉ ግዜ ብምርኣይና፡ ዝሓንጸጾ እከይ ካሪክለም ኣብ እዋኑ ክዕወተሉ ከምዘይከኣለ ተገንዚብና ኣለና። ስለዝኾነ ኢዩ ብመንጫዕጫዕታ ብላክን ብሉ ለበልን እናተሓጽበ ኣብ ከቢድ ጭንቀት ዝርከብ ዘሎ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ፡ ብድሕሪ ምርሻም ስንኩላን ማይ ሓባርን ምእሳር’ቶም ኣርካናት ገድሊ ዝነበሩ ጉጅለ 15ን፡ ንኢሳይያስ ምውዳቕ ኣንቃዕሪርካ ዘይድየብ ከውሒ “ኢትሰመ” ኮይኑዎ ይርከብ።

ከምቲ ንጉስ ፎርዖን ንህዝቢ እስራኤል ናጻ ዘውጽእ ወዲ ንከይዓቢ፡ ዘዝተወልዱ ኣወዳት ሕጻናት ይቀንጸሉ ዝበለ፡ ኢሳይያስ እውን ንህዝቢ ኤርትራ ሓራ ዘውጽእ ወደባት ከይህሉ ኣጸቢቑ ኢዩ ብጥንቃቐ ሰሪሑሉ። ኢሳይያስ፡ ከም ኮብራ ተመን ሕሱም መርዘኛ ተናኻሲ ኢዩ። ንኤርትራዊ ሰብ ድማ፤ ብሃብቱን ድኽነቱን፡ ብትምህርቱን ፍልጠቱን፡ ብሓይሉን ድኻሙን፡ ብደርቡን ማሕበራዊ ቦትኡን ወ.ዘ.ተ… ኣይንዕቕን ኢዩ። ስኑ ነኺሱ ብጥንቃቐ ስለ ዝርኢ ኢዩ ከኣ ኩሉ ግዜ ኣብ ስጉምቲ ምውሳድ ቀዳማይ ሪጋ ዝሕዝ ዝነበረ።

ክንዲ ዝኾነ ኢዩ፡ ካብ መጀመርያ ሰብዓታት ክሳብ ናጽነት ክሳውዲ ምሁራት ኤርትራውያን እናቆረጸ ዝመጽእ ዝነበረ። ከምቲ ውሩይ ደራሲ በዓሉ ግርማ “ኦሮማይ” ዝበሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ካብ 1973 ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዝተሓርደ ምስ ተሓርደ፡ ‘ኦሮማይ’ ኮይኑ መዝሙሩ። ‘ኣሓ ምስ ሓራዲአን፡ ማይ ይሰትያ’ ከም ዝበሃል፡ እቶም ኣሕዋቶም እናጠፍኡ ኣዒንቶም ዝኸወሉ በብመዓልቶም ተሳሂልዎም ኢዩ። ኣብ ግዜ ናጽነት እውን ባህጊ ኤራውያን ንሰላምን ዲሞክራሲን ምንባሩ እኹል ተመኩሮ ወሲዱሉ ኢዩ።

ኣብ ታሪኽ ዲክታቶራት፡ ኢሳይያስ ንኣዶልፍ ሂትለር ዝመሳሰለሉ ብዙሕ ጉዳያት ኣሎ። ንጎዳጉዲ ዒራዒሮ ዝመሳሰል ከኣ እቲ ሂትለር ንኣይሁድ ከጥፍእ ዝሰርሖ ፎርኖታት ጥራይ ኢዩ። ኣንበሳ ኣማውታ ከልቢ ክመውት እንከሎ፡ የሕዝን ኢዩ። እቶም ኣብ 30 ዓመታት ኣናብስ ዝነበሩ ደቀባት ኤርትራ ድማ፡ ብሕማቕ ኣማውታ ኣብ እምባትካላን ዒራዒሮን ጠፊኦም ኣለዉ። እዚ ድማ እቲ ኣብ ታሪኽ ኤርትራን ህዝባን መዳርግቲ ዘይርከቦ ዝኸፍአ ፍጻሜ ኢዩ። ከምቲ መሸላ እናሰሓቐ ዝሓርር፡ ብዙሓት ካብቶም ጉጅለ 15 ክእሰሩን ክሞቱን እንከለዉ ዝስሕቁ ዝነበሩ ሚኒስተራት፣ ኣማሓደርቲን ጀነራላትን ከኣ፡ እታ ሓዊ ኣብ ኣርእሶም ተወሊዓ ኢያ። ፍልልይ ኣማውታ ኣብ ጎዳጉዲ ዒራዒሮን ኣብ ገገዝኦም ዝሞቱ ሰበስልጣናትን ድማ፡ ኣገባብ ቀብሪ ጥራይ ኢዩ ፍልልዩ። ሽዑ ካብ ዝስሕቁ ዝነበሩ ዝተረፍዎ ሰባት ከም ዘለዉ’ውን ገና ይፈልጥ ኢዩ። ካብዚ ክልቴና /ህዝቢን ኢሳይያስን/ ኣዋድቓ ፈረስ ወዲቕናሉ ዘለና ቅርዓት ዓደቦ፡ መን’ዩ ብድድ ክብል ከኣ ግዜ ክምልሶ ኢዩ።

ቀጺሉ ብስም “ሃንደበታዊ ሕማም” ብምስማም ንምሩጻት መራግእቲ ኤርትራዊ ሃገራውነት እናለቐመ ዝኸይድ ዝነበረ ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ ተጠንቂቑ ኢዩ ዝሕዞ። ኣብ ኣተሓሕዝኡ ሻላ-ማላ ስለዘይገብር ኢዩ፡ ክሳብ ሎሚ ደው ኢሉ ንክኸይድ ዝበቕዐ። ኢሳይያስ፡ ከም ኩላቶም ውልቀ-መለኽቲ ውዳሴ ይፈቱ ኢዩ። ዘይውድሶን ዘይሰግደሉን ኤርትራዊ ግን ክጠፍእ ኣለዎ። ብዛዕባ ስልጣን ዝምልከት ድማ፡ ፈታዊ ዝበሃል የብሉን። ንሱ ኣብ ዕድሚኡ ብዘይካ “ፕረዚደንት” ካብኡ ትሕት ኢሉ ወይ ተራ ሰብ ኮይኑ ክነብር ከም ዘይክእል ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ። ከምዚ ንክኸውን ክልተ ጉዳያት ኣለወኦ፤ ሓደ ንዝወፈረሉ ዕላማ፡ ‘ልኡኽ ሓሊቦ’ መታን ከይከውን፣ ካልኣይ ከኣ ኣእዳዉ ብንጹህ ደም ኤርትራውያን ዝተሓጽባ ስለዝኾና። ከምኡ ስለዝኾነ፡ ጉዳይ ምምቕራሕ ፖለቲካዊ ስልጣን፡ ቅዋም፡ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ዝብል ኣገባባት መንግስቲ ክሰምዕ እንከሎ፡ ቁጥዐ /ኣለርጂ/ ይገብረሉ። ሽዑ ኣብ ቅድሚኡ ዝጸንሕ፡ ወይልኡ!

ብቅልል ዝበለ፡ ዘይመጸጸ ፖለቲካ ክረአ እንከሎ፣ ሎሚ ንሕናን ኢሳይያስን ኣዋድቓ ፈረስ ኢና ወዲቕና ዘለና። ብድሕሪ ኣዋድቓ ፈረስ ግን፡ ብርግጽ ንህዝቢ ኤርትራ ሓራ ዘውጽእ ሙሴ ክውለደና ኢዩ። ኣብ ዘመነ ኢሳይያስ ብዙሓት ሙሴታት ተቐንጺሎም ኢዮም። ሎሚ ዝመጽእ ሙሴ ግን ብሓያል ሴፉ ንገበነኛታት ፍጹም ካብ ገጽ ምድሪ ኤርትራ ዝጸራርግ ክኸውን ኢዩ። ‘ንእሾኽ እሾኽ ኢያ ተውጽኣ፡ ኣራግጻኻ ግን ኣይትቐይር’ ከም ዝበሃል፡ ክሳብ ምጽኣተ ኤርትራዊ ሙሴ፡ ርእስኻ ኣይተድንን ኤርትራዊ። ገበነኛ ኢሳይያስ፡ ነቲ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ከካይዶ ዝጸንሐ ሓያል ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ፡ ኣብቲ ዝበሃጎ ግዜ ክፍጸም ኣይተኻእለን።

ስለዚ ክልተና ተተፋነንቲ /ደለይቲ ፍትሒን ህግደፍን/ በብውሽጣዊ ጉዳያትና ኣዋድቓ ፈረስ ወዲቕና ንርከብ ኣለና። ኣዋድቓ ፈረስ ኣብ ዝሓለፈ ብረታዊ ቃልሲ፡ ጃላ፡ ወይ ጃላነት ብዝብል ንሚዛን ሓይሊታት ዝገልጽ ቃል ተተኪኡ ነበረ። ጃላነት ማለት መንጉ-መንጎ፡ ማዕረ ሚዛን ወይ ከኣ ሓዲግ መዲግ ማለት ኢዩ። ኣብ ደገ ምስ ዘለዉ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ስርዓት ህግደፍ ንምዕናውን ህዝባዊ መንግስቲ ምትካልን፡ ለውጢ በየናይ መንገዲ ክመጽእ ይኽእል ንዝብል ሓሳባት፣ ብዝምልከት ርእይቶታትና ንፈላለ ኢና። እታ በንዚን ተነስኒሱዋ ዘሎ ምድሪ ኤርትራ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ ብዘሎ ህዝቢን ሰራዊትን ክርቢት ክሽርጠጣ ምዃኑ ንኣምን።

‘ነዓቒ ኣይፍቶኻ፡ ደቃሲ ኣይሓሉኻ!’ ህዝቢ ኤርትራ’ምበር በቲ ዝነዓቖ ይመሓደር፡ በቲ ደቃሲ ድማ ይሕሎ ኣሎ። ምኽንያቱ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ፡ “ድቃስ እፈቱ’የ” “…ሞባይል የብለይን፡ ኢንተርነት ከኣ ኣይጥቀምን እየ” ኢሉ ብጋህዲ ነጊሩና ኢዩ። ኣጸቢቑ ድቃስ ዓባይ ጤል ንክድቅስሲ፡ ካብ ኣዋድቓ ፈረስ ተንሲእና ሙሴ ካብ ማእከልና ንክንፈጥር፣ ኣዒንትና ንኽፈት።

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

Libyan migrant boat sinking: Eritrean woman tells of Libya to Italy boat journey

An Eritrean woman who made the perilous boat journey from Libya to Italy has called on the United Nations to tackle African dictatorships to stop people from putting their lives at risk.

Hundreds of migrants died on Sunday when their boat capsized on the way to Europe, an incident described by Maltese prime minister Joseph Muscat as ”possibly… the biggest tragedy to have ever taken place in the Mediterranean”.

Sam Abraham was 16 years old when she was rescued at sea while making the crossing, and in 2007 her younger brother died while attempting the same journey.

At the age of 15, Ms Abraham made the decision to flee Eritrea to escape the war with Ethiopia.

Ms Abraham first went to Sudan where she stayed for a year, before making her way through the desert to Libya.

In Libya she and 17 others combined their resources to buy a small boat in which to sail to Italy.

”In our case we didn’t trust [the people smugglers] so we decided to just form our own group,” she told 774 ABC Melbourne’s Jon Faine.

”The captain would go free, he would not pay because he had the skills, and 17 people would put in money,” she said.

She said the Eritrean captain ”was taught how to sail by looking at the moon and the sun”.

The Libyan who sold the group the boat taught the captain how to use the onboard compass instead.

”He couldn’t figure it out, after 16 hours we were lost, we had no idea where we were and so we just hovered around the ocean going to wherever the wind was taking us,” Ms Abraham said.

”We had no idea whether we were going to survive, whether someone was going to find us or not.”

After 30 hours at sea the group was rescued by Italians and taken to a refugee camp.

Ms Abraham married an Australian in 2009 but had to flee the relationship when her husband became abusive.

She now runs several businesses, including a life, business and executive coaching service and a technology company.

She also founded a dating service for Ethiopians and Eritreans and people who are attracted to those nationalities.

Having lived and worked in Australia for a number of years, Ms Abraham said she could see both sides of the refugee issue.

”For me living in a western country I see the problem why we can’t accept all the foreigners, and from being a foreigner myself and being in that situation myself I understand why people are risking their lives,” she said.

She said people would continue to flee Africa as long as dictatorships were allowed to stand.

”Life is extremely hard there,” Ms Abraham said.

She said the world needed to find a way to ”stop the dictatorships, so that people… [don’t] put their lives at risk to get away”.

”I think it’s work for the UN, work for the EU and other humanitarian organisations.”

ስርሒት ዘኢትነገር!!

ስርሒት ዘኢትነገር!!

ብመጀመርያ ርሑስ በዓል ዳግማይ ትንሳኤ ንኹሉኹም ኣመንቲ እምነት ክርስትና፡፡ ሎሚ ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዓንደረቦ ኢለ ዝጸሓፍኩዎ ጽሑፍ፡ ኣብ መጠረሽታ ብዝኣተኹዎ ቃል፡ መብጽዓይ ኣኽቢረ ዓቕመይ ዘፍቅዶ ካብቲ ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ ከካፍለኩም፡ ኣሃዱ ይብል ኣለኹʼሞ ኣይተስተዋሕድዎ፡፡ ከምቲ ኣቦዋት ዝብልዎ ዘለካ ተወከፍ ዘይብልካ ኣይትሰከፍ ኢዩ፡፡ ጽልኡለይ እዚ እንከለዎ እዛ ዓዲ ዓዲ ኩልና፡ ርስቲ ኩልና እንከላ ንበይኑ ከም ትብጽሖ፡ ገለ ምዕሮ ገለን ቁንጣሮ ኣፍልጦን ሓበሬታን ሒዙ ክሰብ መቓብር ዝጓዓዝ ድኣ፡፡ ሚስጢር ካልእ ኣርእስቲ ኢዩ፡፡ እንተ ሓበሬታ ግን ተወሳኺ ደፋኢ ሓይሊ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ከምቲ ደጋጊመ ዘስምረሉ፡ ሎሚ እውን ነቲ ሰኣን ቅኑዕ ሓበሬታ ምርካብ፡ ዕፍ ኣምጽኣቶ ብዝዓይነቱ ሓበጀረዋይ ወረ ኣእዛኑ ዝጸመመ፡ ቅኑዕ ሓበሬታ ንኸይረክብ ፍጹም ዝተሓረመ ህዝብና፡ መዓሙቕ ኣቲና ሓቂ ከነስንቖን ከነፍልጦን ግቡእናን መሰልናን ኢዩ፡፡ እቲ ምንታይ ብዝሓለፈ ሓቂ ኣብ ግዚኡ ብዘይ ምፍላጥና ዝተሃሰናዮ ይኣክል፡፡

ናብ ዕለት 20 መጋቢት 2015 ዓ/ም ኣብ ዘውገሐ ዳዝዳዝ ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን፡ ኣብ ክልተ ቦታታት ሃገርና ድምጺ ፍትሒ ድምጺ ይኣክል ኣቃሊሑ፡፡ ብርሕቀቶምን ትሕዝተኦምን ኣብ ዝተፈላለዩ ክልተ ትካላት ስርዓት ህግደፍ ከቢድ ድምጺ ቶኽሲ ተሰሚዑ፡፡ ኣብ ማእከል መዐደኒ ወርቂ ቢሻን ኣብ መንጎ ትኹልን ማይ ዕዳጋን ዝርከብ፡ ብስም እንዳ ኣመሪካ ዝፍለጥ መኽዘን ኣጽዋርን ተተኮስትን፡፡ንስርዓት ህግደፍ እቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ፍጹም ዘይተጸበዮ ድቦላ ነገር ኢዩ፡፡ ከቢድ ስንባደን ነውጽን እውን ፈጢሩሉ ይርከብ፡፡ ስለ ዝኾነ ነቲ ብዘይ ተሓዚ ኣብ ልክዕ ቦትኡ ዝተሓጕሞ ማሕኈማ፡ ሚስጢር ናይቲ ዘኢትነገር መውቃዕቲ፡ ከም ደም ክሩምቲ ንውሽጢ ውሒጡ ጥርቅም ክብልʼዩ መሪጹ፡፡ ክሳብ እዚ መጠረሽታ ደቓይቕ እውን ነቲ ዘጋጠሞ ከቢድ ዕንወትን ክሳራን ዕፉን ብሽፍኑ ሒዝዎ ኣሎ፡፡ የግዳስ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ጽሑፈይ ዘቐመጥኩዎ ሰብ ዝፈልጦ ድቓላ ሓኒቕክን ኣይተቕተላ ኢዩ፡፡ ህዝቢ ብዓይኑ ዝረኣዮን ብእዝኑ ዝሰመዖን ቅሉዕ ነገር ክትሐብኦን ክትሽፍኖን ምፍታን፡ መርኣያ ድኹም ዓቕምኻʼዩ፡፡ ብዝኾነ ቅድሚ ስርሒት ዘኢትነገር ከመይ ነበረ? እንታይ ዕንወት ከ ወሪዱ ምዝርዘረይ፡ እቲ ሓበጀረወይ ዑፍ ኣምጺኣቶ ተባራርን ተባራዕን ወረታት ስለምንታይ ናብ ዝብል ቅድም ክምልስ ክፍትን እየ፡፡ስለምንታይ ከም ኣርእስቲ ስርሒት ዘኢትነገር ኢለ ሰይመዮ ውን ኣብ መጠረሽታ ክምልሶ እየ፡፡

ብመጀመርያ ስለምንታይ ስርሒት ዘኢትነገር፡ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝግበኦ ኣቓልቦ ንኸይረክብ፡ ጫሌዳ ነገራት እናተወሰኾ፡ ኣብ ህዝቢ ዝተፈራረቐ ስሚዒታት ንኽንጸባረቕ ተገይሩ?እዚ ዘልዓልኩዎ ሕቶ ብሰለስተ መንገድታት ክንርእዮን መልሲ ክንህበሉን ግድን ኢዩ፡፡ እቲ ቀዳማይ ንእሽቶ ብትኽክል ዘይተረጋገጸ፡ ምስቲ ዘሎ ክውንነት ናይ ዓድና ፍጹም ዝተዓብሰን ፍርሂ ዝተሓወሶን ነገር፡ ዝተማለአን ዘተኣማምንን ሓበሬታ ክትረክብ ካብ ዘይ ምኽኣል ዝብገስ እዩ፡፡ ነቲ ሓበሬታ ወይ ተካብዶ ወይ ተፍኩሶ፡፡ ይኸውን፡ ይበሃል፡ ተባሂሉ፡ ዝበሃል ቃላት ውን ይውሰኾ፡፡ ካብቲ ቐንዲ ሕመረት ናይቲ ሓበሬታን ናይቲ ዘጋጠመ ኩውንነትን ግን ኣይትወጽእን፡፡ መብዛሕተኣን ነጻ ናይ ኤርትራውያን መርበባት ሓበሬታ ዘቃልሐኦ እንተ ተዓዚብናዮ ውን ከምኡ ቃና ዝነበሮ ኢዩ፡፡ ጋዜጣ ኣል ሰሓፋ ሱዳን ከም ዝዘርጋሓቶን ዝበለቶን ዝብል ናይ ኣብዝሓ መወከሲ ናይቲ ሓበሬታ ዝነበረ ኢዩ፡፡

እቲ ካልኣይ ባዕሉ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣንፈት ናይቲ ሓበሬታን ሰማዒ ህዝብን ንምጥፋእን ንምዝባዕን ንምዕፋንንዝጥቀመሉስውርናይ መናፍሕ ተግባራት ኢዩ፡፡ ኣብቲ በቲ ስርዓት ኮነ ተባሂሉ ዝፍነው መናፍሓት ኣይነበረን፡ ኣይተገብረን፡ ውጹእ ሓሶት ካልእን እንተ ተባህለ ኣየገርምን፡፡ ዕስራን ኣርባዕተን ዓመታት ሓቂ ክገልጽን ቅኑዕ ሓበሬታ ንህዝቢ ከስንቕን ዘይረኣናዮ ስርዓት፡ ሎሚ ዘይበህሪኡ ክለብስ ኣይንጽበዮን፡፡ ኣብቲ ወግዓዊ ናይ ዜናን ሓበሬታን ትካሉ ኣፉ መሊኡ ሓሶት ክብል ትብዓት ከም ዘይብሉ ውን ተመኩሮ ግርም ገይሩ ምሂሩና ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ኣብዞም ክልተ ቀዲመ ዝጠቐስኩዎም ኣካላት ብዙሕ ክብል ኣይደልን እየ፡፡ እቲ ክምለስ ዝግበኦ ሕንቅል ሕንቅሊተይ አብቲ ሳልሳይ ስለ ዝኾነ፡፡

እቲ ኣሰካፍን ዘተሓሳስብን አብቲ ንለውጢ ንቃለስ ኣለና እናበለ ዝንቡዕን ካብ ሓቂ ዝራሓቐን ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ዘቕርብ ዘሎ ኢዩ፡፡ እዚ ሳልሳይ ኣካል ንዘቕርቦም ሓሳባት ብጭቡጥ መርትዖታት ንምንታይ ዘየሰንዮ፡፡ ብርግጽ ከ እቲ ዘቕርቦ ዘሎ ሓሳብን ትንተነን መግለጽን ሓቀኛ ሓበሬታ ረኺቡሉን ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ ምርምር ኣካይድሉን ድዩ ክምለስ ዝግበኦ ሕቶ ኢዩ፡፡ ብዓቢኡ ከኣ ልዕሊ እቲ ኣብቲ ዘሕምሞ ዝተዘብጠ ቀታሊ ስርዓት ኮይንካ ንስኻ ጠበቓ ምዃን ብኸመይ መንገዲ..? ክሳብ እዚ መጠረሽታ ሰዓታት ስርዓት ህግደፍ ብወገን ኢትዮጵያ ናይ ኣየር ኮነ ናይ ተወንጫፊ መጥቃዕቲ ወሪዱኒ ኣይበለን፡፡ ኣይከሰሰን ወን፡፡ እቲ ምንታይ መን ዳዕሚኹዎ ሕርሕረይ ገይሩ ይፈልጥ ኢዩ፡፡ ተሓጓሚ ዘየእወየ ተሓዚ ውን ዘይኮንካ፡ ጫሌዳ ሓበሬታ እናኣምጻእካ፡ ነቲ ቅኑዕን ብትብዓትን ጅግንነትን ኤርትራውያን ዝተፈጸመ ስርሒት ዘኢትነገር፡ ኣንፈቱ ከም ዝስሕት ምግባር ድኣ ስለምንታይ..? ጽባሕ ታሪኽ ዝሓተካ ገበን ምፍጻም ኢዩ፡፡ እቲ ምንታይ ስርዓት ህግደፍ ከም ኩሎም ዓመጽቲ ስርዓታት፡ ይቕረብ ይርሓቕ ግብኣተ መሬቱ ክአቱ ኢዩ፡፡ እቲ ንፍትሕን ደሞክራስን ብሓቂ ዝደልያን ዝቀለስን ዘሎ ውን ዓዱ ክኣትው ኢዩ፡፡

ምስዚ ብምትእስሳር ከነስተባህለሉ ዘለና ክልተ ዓበይቲ ነገራት ውን ኣለዉ፡፡ እቲ ቀዳማይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሊ ኣየር መሬት ኤርትራ ጥሒሱ፡ እቲ ኣብ መኽዘን ኣጽዋርን ተተኮስትን እንዳ ኣመሪካ ዝተፈጸመ ንግዚኡ ንጸጋም ገዲፍና፡ ኣብቲ ህግደፍ ምስ መሻርኽቱ ካናዳዊ ትካል ኔብሰን ዝውንኖ መዓደኒ ወርቂ ቢሻ፡ ብኣየር ኮነ ብተወንጫፊ ክሃርምን ከዕኑን ተኽእሎ ኣለዎ ድዩ…? ተኽእሎ ክብል እንከለኹ ኣህጉራዊ መሻርኽቲ ንዘለዎ ትካል ብዘፈቐደ ኣዕኒኻ፡ ከም ድላየይ ብዝዓይነቱ ሕጊ ጫካ ክትከይድ ከምዘይ ትኽእል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይፈልጥ ድዩ ኮይኑ…? መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሊ ኣየር ኤርትራ ጥሒሱ፡ ኣብ መዓደኒ ወርቂ ቢሻ፡ ናይ ኣየር ኮነ ተወንጫፊ ደብዳብ ኣካይዱ ዝበሃል እምበኣር፡ ትያትሮ ዓያሹ ኢዩ፡፡ ነቲ ስርሒት ዝፈጸሙ ጀጋኑ ስርሒት ኣግእዞ ኢሎም ዝግባእ መግለጺ ሂቦምሉ ኣለዉ፡፡

እቲ ካልኣይ ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ዝብል ሸቐጥን ምድንጋርን ይጽነሓልና፡፡ ኣብዛ መዳሕንትና ዝተቐብረላ፡ ዝተቓለስናላ፡ ዝደመናላ፡ ዝተሰዋእናላ፡ ዝሰንከልናላ፡ ዝኸርተትናላ ግን ከኣ፡ ከም መልኣኽ ብዘምለኽናዮ ኢሳይያሳዊ ሳጥናኤል፡ መፈጠርና ክሳብ ንጸልእ ዝተገፋዕናላ ኣጸቢቕና ንፈልጣ፡ ብህግደፍ ትጉሕጓሕን ትባድምን ትነጽፍን ዘላ ኤርትራ፡ ኣሽንኳይ ንብረት ሃብቲ ህይወት ኤርትራውያን ውን፡ ኣብትሕቲ እቲ ስርዓት እንተሃሊኻ ናቱ ናየ ሓላሉ ኢኻ፡፡ ኣየናይ ዝተኣስረ ንጹህ ኤርትራዊ ኢዩ ብሕጋዊ ተታሒዙን ኣብ ሕጋዊ መጋባእያ ፍርዱ ዝሰመዐን ዝተማጎተን፡፡ ኣየናይ እሱር እዩ ቤተሰቡ ክበጽሕዎ ዝተፈቕዶን ስልጣንያ ወላዲቱ ዝተዓንገለን፡፡ ኣየናይ ህዝቢ ኢዩ እንትርፎ ስምዓናን ተኣዘዘናን ክዛረብን ክነቅፍን መሰል ዝተዋህቦ፡፡ ኤእ ሃየንታ ህዝቢ ሓያል ኢዩ፡፡ እዚ ጮቖቕ ኢሉ ዘጥረዮ ገዛውቱ ዝፈርሶ ዘሎ ህዝቢ ወርቂ ቢሻ እንታይʼዩ ዓቢሱሉ፡፡ እዚ መሪር ኣውያቱ እናቃለሐ ብዘይ መጽለሊ ብቑርን ጸሓይን ተለብሊቡ ኤህ ኢሉ ዝረግም ዘሎ ህዝቢ፡ ብኣቕራሽ ወርቂ ቢሻ ብዝዓንተሩ ደምህትን ኣርበኞችን ተደፊሩ እምበር መኣስ ከቢሩ፡፡ እዚ ንብረት ህዝቢ ኢዩእናበልካ ስምዒት ህዝቢ ከተረሳስንምፍታን ምናልባት ቀደም ብዓያሽና እንከለና እምበር ሎሚ ኣይሰርሕን ኢዩ፡፡ ኤርትራዊ ኣብ ውሽጢ ዓዱ ኣሽንኳይ ዓበይቲ ብቢሊዮናት ኣቕራሽ ዝትመን ትካላት ክውንን፡ ነታ ደም ርሂጹ ተሰዲዱ ዘጥረያ መጽለሊቱ ተራ ገዛ እውን ክልተ ካብ ሚእቲ ዕላዊ ጉቦ ንስርዓት ህግደፍ እናገበረ ኢዩ ዝሕልዋ ዘሎ፡፡

እቲ ሓቂ ከምዚ ብሓጺር ዝገለጽክዎ ክንሱ፡ ስለምንታይ ኢዩ ግን ኣብ ክንዲ ተዓወት ተዓወት ኢልካ፡ ነቲ ዝተፈጸመ ጅግንነት ኣብ ክንዲ ምምጓስ፡ ኣሰከፍትን ዘይነበሩን ጉዳያት እናልዓልካ ናብ ወየ ምባል ተኣትዩ፡፡ ኣብዚ ጉዳይዚ ሰፊሕ ትንታነ ክወሃቦ ይከኣልʼዩ፡፡ ኣጠቓሊለ ክርእዮ እንከለኹ ግን ዜርካ ዜርካ እታ መደምደምታ ሓንቲ ኢያ፡፡ ንሕና ዘይንፈልጦ፡ ንሕና ኢድና ዘይመለስናሉ፡ ንሕና ዘይባረኽናዮ ንዓና ዘርብሕ ኣይኮነን ዝብል ግጉይ ናይ ህልኽን ቅርሕንትን ፖለቲካ ኢዩ፡፡ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብመልኣኽ ይኹን ብሰይጣን ዘድሕኖ ኢዩ ዝደሊ ዘሎ፡፡ ዘድሕኖ ድማ ኢቲ ኣብ ናይ ሓሸውየ ፖለቲካ ተጸሚዱ ዕንክሊል ዝብል ዘሎ ዘይኮነስ፡ እቲ ዝሰርሕ እቲ ህይወቱ ንመስዋእቲ በጃ ክኸፍል ዝተቐረበን ኢዩ፡፡ ስለዝኾነ ካብ ውህሉል ተመኩሮ ዓለምና ተማሂርና፡ ሕጂ እውን ለውጢ ካብ ውሽጢ ዓዲ ከም ዝመጽእ ኣሚና፡ ነቶም መስዋእቲ ንምሉእ ሓርነት ዝኸፍሉ ውፍያት ኣጆኹም ብምባል ንዕሰሎም፡፡ ተስፋ ክኾኖም ድምጺ ሓድነትን ስምረትን ነስምዓዮም፡፡ ካብ ናይ ዝቐበጹን ዝተሓለሉን ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ዝዓይነቱ ስሱዕ ፖለቲካዊ ስነሓሳብ ንውጻእ፡፡ኣብ መጠረሽታ ከምቲ ጩሩ ብዓቕማ ትሕጐም ዝበሃል፡ ናብቲ መዓሙቕ ኣትየ ዝረኸብኩዎ ውዕሎ ስርሒታት ዘኢትነገር ከመይ ነበረ ከብለኩም፡፡

ብመሰረት ኣብ ዕለት 30 መጋቢት 2015 ስርሒት ኣግዞ ብምባል ባዕሎም እቶም ሰራሕቲ ቅያ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ስርሒት ዘኢትነገር ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ሚስጥራዊ ውዳበን መጽናዕትን ከምዝነበሮን ከም ዝተኻየዶን ዝተነጸረ ኢዩ፡፡ ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ሓደ ናይ ዜሮ ሰዓት ማንታ መጥቃዕትታት ኣብ ክልተ ኣዝዮም ዝተረሓሓቑ ቦታታት ብዓወት ክፍጽም ዝኸኣለ፡፡ ፈጸምቲ እዚ ንስርዓት ህግደፍ ፍጹም ዘርዓደን ዘባህረረን ስርሒት፡ ብዘይ ዝኾነ ክሳራ ተልእኾኦም ብዓወት ከም ዝፈጸሙ እውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ፡፡ ክሳብ እዚ መጠረሽታ ሰዓታት ህግደፍ ነቲ ሚስጢራዊ ጽኑዕ ውዳበ፡ ክሰብሮ ይኹን ክሰልኮ ከም ዘይከኣለ እውንዝተጨበጠ ሓበሬታ ኣሎ፡፡ ኮይኑ ግን ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት ዝኣመሉ ስርዓት ህግደፍ፡ በቶም ምኩራት ቀተልትን ጨወይት ኣባላት ስለይኡ፡ ብዙሓት ምስቲ ሚስጢራዊ ውዳበ ምትእስሳር ዘይብሎም ሰባት ይጨውን ይኣስርን ከም ዘሎ ተደጋጋሚ ሓበሬታታት ኣሎ፡፡ መዓገሲ ከቢድ ጭንቀቱ እቲ ናይ ምእሳርን ምስዋርን ተግባራቱ ክቕጽሎ ምዃኑ እውን ርጉጽ ኢዩ፡፡

ስርሒት ዘኢትነገር ከመይ ነበረ…? እንታይ ዕንወትን ክሳራን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ኣውሪዱ ኩሉና ክንፈልጦን ክንሰምዖን ሃረር እንብሎ ጉዳይ ኢዩ፡፡ እቲ ምንታይ እቲ ዓወት ዓወት ኩልና ኢዩ፡፡ ኩልና ክንሕጎሰሉን ሞራልና ክንውስኸሉን ዝግበኣና ስርሒት ስለ ዝነበረ፡፡ ብመሰረት ኣብ መንጎ ትኹልን ማይ ዕዳጋን ብእንዳ ኣመሪካ አብ ዝፍለጥ፡ መኽዘን ኣጽዋርን ተተኮስትን ከምኡ ውን መኸዘኒ ነዳዲ ዲፓ፡ እቲ ቀዳማይ ዕላማ ናይቶም ጀጋኑ ፈዳይን ስርሒት ዘኢትነገር ዝተሓረየ ኢዩ፡፡ ንምንታይ ስርሒት ዘኢትነገር ብምባል ሰይመዮ እውን ምስዚ ቀዳማይ ታርጌት ዝተኣሳሰረ ስለ ዝኾነ ኢዩ፡፡ ኣብዚ መኽዘን ኣጽዋርን ተተኮስትን እንዳ ኣመሪካ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ብስርዓት ህግደፍ በልዑል ሸርፊ ወጻኢ ዝተሸመተ፡ ንደርዘን ክልተ ጎደል ዓሰርተ ቢኤም 27 ወንጨፍቲ ሮኬታት ኣትዩ ነይሩ፡፡ እዚ ገና ኣብ ዝኾነ ዓውደ ውግእ ዘይተፈተነ ሓደስቲ ወንጫፊ ሮኬታት፡ ብሓለውትን ኣባላትን እቲ መዓስከር ዘኢትነገር ብዝብል ቅጽል ስም ዝጽዋዕ ዝነበረ ኣጽዋር ኢዩ፡፡ ህግደፍ መዓት ፈሲስዎ ከይፈተኖ እንዶሞ ተሃሚኹ፡፡

ብመሰረት እቲ ዝተኻየደ ውሕሉል መጽናዕቲ፡ ነዚ ሓደስቲ ኣጽዋርን ነቲ እልቢ ዘይብሉ ተተኮስትን ዝሓዘ ሃንገርን ድማ ከም ዕላማ ቁጽሪ ሓደ ተሰሪዑ፡፡ ኣብ ሰለስተ ሸነኻት ድማ ሰለስተ ብግዜ ዝትኮስ ተባራዕቲ ፈንጅታት ተጻዊዱሉ፡፡ ሰለስቲኡ ፈንጅታት ድማ ብዝግባእ ዕላምኡ ሃሪሙ፡፡ ሽዱሽተ ካብቲ ኣብ ዕላማ ዝኣተወ ሓደስቲ ኣጽዋራት ቢኤም 27 ወንጨፍቲ ሮኬታት ምሉእ ብምሉእ ብምዕናው ናብ ሓሙኹስቲ ተለዊጡ ኢዩ፡፡ ሰለስተ ከፊላዊ ዕንወት ወሪድዎ ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ከም ዝኸውን ኮይኑ፡፡ ሓንቲ ድማ ንመዘከርታ ንስክላ ካብቲ ባርዕ ተሸንጢፋ ተሪፋ፡፡ ማዕረ ማዕሪኡ እቲ እልቢ ዘይብሉ ተተኮስቲ ተኸዚንዎ ዝነበረ ሃንገር እውን ናብ ሓሙኹሽቲ ተለዊጡ ኢዩ፡፡ እቲ መዓስከር ምሉእ መዓልቲ ክተክኽን ጸጸኒሑ ዝፍንጀር ነገራት ቶግ ተሮግሮግ ክብል ከም ዝወዓለ ተረጋጊጹ ኢዩ፡፡ እቲ ንኢሳይያሰን እሙናት ጀነራላቱን ዘሰንበደ ድማ እዚዩ፡፡ ኢሳይያስ ከም ኢራብ በሪሩ ናብ ከተማ ደቀምሓረ ብጋሕጋሑ ከም ዝረአ ዝገበሮ እዚ ሃንደበታውን ዕውትን መጥቓዕቲ ዘኢትነገር ሰራሕቲ ቅያ ኢዩ፡፡

እቲ ካልኣይ ኣብ ተመሰሳሊ ሰዓት፡ ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን ወጋሕታ ኣብ መዓደኒ ወርቂ ቢሻ ዝተወስደ መጥቃዕቲ ኢዩ፡፡ እቲ ዝየዳ መዛረቢ ዛዕባ ዝኾነ ድማ እዚ ዕላማ ቁጽሪ ክልተ ዝነበረ ስርሒት ኢዩ፡፡ ብሰራሕቲ ቅያ ፈዳይን ዝዓበየ ግምት ዝተዋህቦ ግን ዕላማ ቁጽሪ ሓደ ኢዩ፡፡ ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ኣብ ክልቲኡ ቦታታት ዝተዳጻወደ ፈንጅታት ብቑጽሩ እውን ዝተፈላለየ ኢዩ፡፡ ኣብ መዓደኒ ወርቂ ቢሻ ክልተ ፈንጅታት ጥራይ ኢዩ ተጻዊዱ፡፡ ክልቲኡ ድማ ብልክዕ ተተኲሱ ኢዩ፡፡ ሓደ ፈንጂ ብትኽክል ዕላምኡ ክሃርም እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ምስ ባህርያዊ ትሕዝቶ እቲ ከባቢ ዝተወሰነ ዕንወት ኣውሪዱ ኢዩ፡፡ መሻርክቲ ህግደፍ ዝኾነ ካናዳዊ ኔብሰን እውን ኣብ መዓደኒ ወርቂ ቢሻ ሰብ ዝሰረሖ ሓደጋ ከም ዝወረደ ገሊጹ ኢዩ፡፡ ዋጋ ብርክታቱ ኣብቲ ተኣፋፊ ሰዓት ለጠቕ ክብል እውን ተራእዩ ኢዩ፡፡ ማንታ መጥቃዕጥታት ስርሒት ዘኢትነገር በቶም ምዑታት ሰራሕቲ ቅያ ጀጋኑ ዕላምኡ ሃሪሙን ተዓዊቱን ኢዩ፡፡ ኣብዚ ክንከዶ ዝጸናሕና ናይ ልዕሊ ዓሰርተው ዓመታት ቃልሲ፡ ዝገብር ኢዩ ተሳኢኑ ነይሩ፡፡ ስሪሒት 21 ጥሪ ወዲ ዓሊ ሰብ ኣለዋ እዛ ሃገር ንኽንብል፡ እቲ መገዲ ኣርእዩና ኢዩ፡፡ ጀጋኑ ኣባላት ፈዳይን ስርሒት ዘኢትነገር ድማ ማዕበል ፍትሕን ሓርነትን 2015 ክቕጽል ምዃኑ ኣበሲሮምና ኣለዉ፡፡ ተዓወቱ!!!!! ሓደ ነገር ግን ንልቢ ክኾነና ወስ ከየበልኩ ጽሑፈይ ክዛዝም ኣይደልን፡፡ ዕፉንሲ ካብ ከርሲ እታ ደቃቕ ጣፍ ሓርጭ ዝወጽእ ኣይመስላን!! ዝብል ሓያል ምስላ መለበሚ ይኹነና፡፡

ሚኪኤል እምባየ (ኣረንቺ)
[email protected]

“ዱባ ብገርሁ፡ ናይ መሰለስ ኮነ!”

“ዱባ ብገርሁ፡ ናይ መሰለስ ኮነ!”
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/
ዓርቢ 3 ሚያዝያ 2015

ኣብ ኤርትራ ኣብ ብሂል ሕብረተሰብ ትግርኛ ብዛዕባ ዱባ ብዙሕ ኢዩ ዚዝረብ። ዱባ ልቢ ዘይብሉ ገልጣም፡ ዘጓንፎ ከይፈለጠ፡ ንቕድሚኡ እናኣሳፍሐ ዝኸይድ ተኽሊ ኢዩ ይብልዎ። ጸብሒ ዱባን ልቢ ዓሻን ሓደ ከኣ ኢሎም ይውስኽዎ። ካብቲ ዝተዘርኦ ግራት ዋና፡ እናኣሳፍሐ ናብ ግራት ጎረቤት ይኣቱ’ሞ፡ ደሓር ፍርያቱ ንፍርቂ ወይ ንመሰለስ ንክኸውን ይግደድ ማለቶም ኢዩ።

ንዳሕረዎት ወለዶና ንምርዳእ፣ መሰለስ ኣብ ኣተረጓጉማ ቋንቋ ትግርኛ፡ ንምክፍፋል ንብረት ዝምልከት ኮይኑ፡ ከም ፈረቓ ወይ ርባዕ ሓደ ሲሶ ማለት ኢዩ። ግርም ልቦና ዝመልኦ ቋንቋ’ኮ ኣሎና ኢዩ። ‘ዱባ ብገርሁ ናይ መሰለስ ኮነ’ ናብ ፖለቲካዊ መኹባዕቲ ክኣቱን ክጽሞቕን እንከሎ ድማ፡ ከምዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና መንገዲ ኢሳይያስን እቶም ብፍላጥ፡ ብዘይፍላጥን ንከንቱ ፖለቲካዊ ሃልኪን ዝቀዳደሙ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብ ዲያስፖራ ኢዩ ዝምልከት።

መንግስቱ ሃይለማርያም፡ እቲ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ን17 ዓመታት ዝገዝአ ኢትዮጵያዊ መራሒ፡ ወላ’ኳ ንተዛማዲ ዕላማ ይኹን’ምበር፡ ”ኤርትራ ኣትሸጥም ኣትለወጥም!” ኢዩ ነይሩ ጭርሖኡ። “ትርፍ ካለ ለምን ኣትሸጥም” ክብል ሓደ ውራጌ መሊሱሉ ነይሩ ይበሃል ኢዩ። መንግስቱ፡ ክሳብ መወዳእታ ኣብታ ዝኣመነላ ዕላማ ጸኒዑ ነበረ። ኣብ ጉዳይ ባድመ፡ መንግስቱ’ውን ብገለ ጋዜጠኛታት ተሓቲቱ ነይሩ ይበሃል። “ባድመ ናይ ኤርትራ መሬት ድያ ወይስ ናይ ኢትዮጵያ?” ኢሎም ድማ ሓተትዎ። እቲ ንጋዜጠኛታት ዘገረመ መልሲ ከኣ፣ “ባድመ ናይ ኤርትራ መሬት ኢያ” ኢሉ ምምላሱ ነበረ። “መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ባድመ ናይ ኢትዮጵያ ኢያ ኢሉ እናተማጎተስ፡ ከመይ ገርካ ኢኻ ንስኻ ናይ ኤርትራ ኢያ ኢልካያ?” ክብሉ’ውን ሕቶ ደገምዎ። “መልሰይ ልክዕ’ዩ! ኤርትራ’ውን እኮ ናይ ኢትዮጵያ ኢያ” ክብል ደጊሙ ከም ዝመለሰሎም ሰሚዐ ነይረ።

እዞም ክልተ ውሉፋት ደም፡ ንኤርትራ ብከመይ ኢዮም ዝርእዩዋ? ግርም! ኣብዚ እነሀኻ ወግዒ። እቲ ትማሊ ክንዲ ሰማይን መሬትን ርሕቀት ዝመስል ዝነበረ ኣረኣእያታት መንግስቱን ኢሳይያስን፡ ሎሚ ግን መድረኽ ምስ ተገማጠለን ጥጅእ “ትግራይ ትግርኚ” ክጽሞቕ ምስ ተቓረበን፤ ሓደ ኣረኣእያ ሒዞም እነሀዉ። ኢሳይያስ ቅድሚ ናጽነት ምስ ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ ኣብ ናቕፋ ዝገበሮ ቃለ-ምልልስ፡ ሎሚ ቅነ’ውን ምስ ጋዜጠኛ “እሳት” /መሳይ መኮነን/ ዝገበሮ ዝርርብ፤ ኣግሂዱ ነቲ ልዕሊ 100 ሽሕ ሂወት መንእሰያት ኤርትራውያን ዝወሰደ ናጽነት፡ ናብ ዕዳጋ የውርዶ ከም ዘሎ ዳሕዲሕዎ ኣሎ። እዚ ክሕደት ንሰማእታትን ንዕቀት ህዝቢን ዝመበገሲኡ ኣሽካዕላል እዚ፡ ሎሚ ዝተጀመረ ኣይኮነን።

እቲ ጸሊም መንግስቱ፡ መልክዑ፡ ዕላምኡን ተግባሩን ግሁድ ሰብ ኢዩ ዝነበረ። እዚ ቀይሕ ዘይተጋህደ መንግስቱ ደኣ እንታይ ኢዩ ቁንቁኝኡ ሃገር ንክሸይጥ ዝደናደን ዘሎ? እዚ ኤርትራዊ መሰል፡ ከም ተኹላ ናብ ማእከል ኣባጊዕ፣ ናብ ውሽጥና ኣትዩ ዝጎዛዘየና፡ ብልክዕ ግን ንጣብ ኤርትራዊ ደም ዘይብሉን ብናጽነት ኤርትራ ዝተጣዕሰን ጨካን ኢሳይያስ፡ ኤርትራ ንምሻጥ ዝኣለሞ ሪኪያሞ መመሊሱ ይበርሃልና ኣሎ። ንሱ፡ ካብ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኤርትራ ንምሻጥ፡ ካብ ብሕሹኽታ ብጋህዲ፡ ከም ባቡር ዓርበ-ረቡዕ ብብርቱዕ ጥሩምባ ይነግር ነይሩ ኢዩ። እሞ ከምቲ ዱባ ብገርሁ፡ ኣንቱም ንጥፍኣት እተዳኽሩ ዘለኹም፡ ናይ መሰለስ ንክትኮኑ ኢኹም ትቆጻጸዩ ዘለኹም’ሞ፡ ኣይፋልኩምን! ቅድሚ መሸጣ ተመለሱ ደኣ።

ኢሳይያስን እቶም ውሑዳት ኣገልገልቱን ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ታሪኽ መጻእቲ ወለዶታት ብዝኾነ ይኹን ቃላት ይቕረ ዘይበሃሎ ገበናት ኢዮም ዝፍጽሙ ዘለዉ። ነዛ ምድረ ሰማእታት ሃገርና፡ ነዛ ብደም ኣስላምን ክርስትያንን ዝተተኽለት ኤርትራ ናበይ ኢዩ ክወስዳ ዝደናደን ዘሎ እዚ ሰታይ ደም? ጉጅለ 15 ኣርካናታ ናብ ዒራዒሮ ኣሲሩን ቀንጺሉን፡ መንእሰያታ ኣባሪሩ፡ ንታሪኻን ኩሉ ክብሪታታን ኣሕሲሩ፡ ንመልክዕ ሃገር ደዊኑ፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብቀሊል ዘይሓዊ ጽልኢን ቅርሕንቲን ኣኻዕቢቱ፡ ወርቂ ቢሻን ሃገራዊ ሃብቲን ናብ ባንክታት ስዊዝን ቻይናን ሓቢኡ፡ ኣባይታ ብዶዘራት ኣዕንዩ ናበይ ንምብጻሕ ኢዩ ክንድዚ ዕብዳን። እቶም ልቢ ኣልቦ ዱባታት ገና የሳፍሑ ምህላዎም ንምርግጋጽ ድማ፡ ከም ጠበቕ ቀትሪ፡ ውጥም ቅልቅል ይብል ኣሎ። ክዕንቅፍዎ ኢሉ ንዝገመቶም፡ ኣቐዲሙ እናቀንጸሎም ክመጽእ ጸኒሑ ኢዩ። ሎሚ’ውን ገለ ተረፍ-መረፍ ቀሪም ንዝተረፉ ደቀባት ኤርትራ፣ እንተ ብሃንደበታዊ ሕማም እንተስ ብምኽንያት ሓደጋ የረኻኽበሎም ኣሎ። ኢሳይያስ ክልተ ፍሉያት ባህርያት ኣለዎኦ። ሓደ ንባህርያትን ውሽጣዊ ስምዒታትን ሰባት ብቅልጡፍ ናይ ምልላይ ተኽእሎ፣ እቲ ካልኣይ ከኣ፡ ንዝወሰኖ ውሳኔ፡ ቅልጡፍን ዘየላቡን ስጉምቲ ምውሳድ። ኢሳይያስ፡ ንዘስግእዎ ሰባት ፈጺሙ ዘይንዕቕ መርዛም ኮብራ ኢዩ።

እወ ’ሰብ ናብ ሰቡ፡ ዝብኢ ናብ ገረቡ’ ኢዩ’ኮ! ኣብ ዘመነ ገድሊ ኣይመስለናን ነይሩ። ብዛዕባ ትውልዲ እውን ሓሲብናሉ ኣይንፈልጥን ኢና። ብዛዕባ ትውልዲ ንከይንዛረብ፡ ‘ኣፍና ኣፍ ላም ትኹን’ ኢልና ስለዝመሓልና፤ ክንዛረበሉ’ውን ኣይምደለናን። ንሱ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ፍተሻ ትውልዲ ካብ ተተሓሓዞ ደኣ’ሞ ከመይ ጌርና ብጥንታዊ ማሕላ ኣፍና ክንዓብስ? ሓቂ ኢዩ! ብዙሓት ደቂ ትግራይ ስለ ኤርትራ፣ ከምኡ’ውን ብዙሓት ደቂ ኤርትራ ስለ ትግራይ ተሰዊኦም ኢዮም። ወላ’ኳ ሎሚ ሰባት ንታሪኽ በብዝጥዕሞም ኣገባብ ይጠውይዎ እንተሃለዉ፡ ኣጸቢቕና እንፈልጦን ዝተዋሳእናሉን ብደም ክልቲኡ ህዝቢታት ዝተፈረመ ስንክሳር ግን ኣብ ግምጃ ታሪኽ ኣሎ። ኢሳይያስ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስኑ ነኺስዎ ዝነበረ ሕንሕነ፡ ሎሚ ‘በብሓደ ሰብ ወሓደ’ ምስ ኮነ፡ ኣብ ውሽጢ ከብዱ ንዝነበረ ረስኒ ኢዩ ዘውጽኦ ዘሎ።

ኣንቱም ሰባት! ሕሩመይ ኢለ… ብዘይ ፍትወትና፡ ብዛዕባ ትውልዲ ንክንዛረብ ተገዲድና። ዓዲ፡ ወረዳን ኣውራጃን’ኮ ክብረት ኢዩ። ርእሰ ምትእምማን ‘ዝመበጊሲኡ፡ መን ኣበይ ኢዩ ዓዱ፡ ኣበይ ኢዩ መረብ ቤቱ፡ ብእንዳ እኑኡ’ኸ? ንሳ’ኸ ኣበይ ኢያ ትውለድ? ዝብል ምስጢር ውሽጠ ውሽጢ ኣስተውዒልናሉ’ውን ኣይነበርናን። ኢሳይያስ፡ ኣፈወርቂ፡ ኣብራሃ፡ ሓጎስ፡ ማሩ፡ ካሳ፡ ጉግሳ ወ.ዘ.ተ… ንዕኡ ኢዩ ዝምልከት። ብትኽክል ንዝርእዮ ከኣ፡ ወለዶኻ ክብረትካ ኢዩ።

ሎሚ’ውን መንነት ብትውልዲን ብፍቓድን ጸኒዑ ይንበር። ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ብሰላም ሓቢሮም ክነብሩ ኢና ንደሊ። ኢሳይያስ ግን ካብ ኣሰላልፍኡ ኣትሒዙ ርእሰ ምትእምማን ኣይነበሮን። ካብ ዝነበሮን ዘለዎን ናይ መንነት ቅልውላው ተበጊሱ’ውን ንኤርትራ ብትግሃት ተወፍዩ ኣይፈልጥን ኢዩ። ሓደ ብ “ይብሉኒ ኣለዉ” ዝብል ባዕላውነት ዝሓመመ ሰብ ድማ፡ መድሃኒት ኣይርከቦን ኢዩ። ኢሳይያስ ኣብ ሜዳ ናይ ስም ኣደ ኦርኒኩ፡ ኣብ ክንዲ “ኣዳነሽ ኪዳነ” “ኣድሓነት ኪዳነ” ኢሉ ኣመዝጊቡዎ ነበረ። እዚ’ኸ ካብ ምንታይ ዝተበገሰ’ኾን ይኸውን? ብዙሓት ተጋደልቲ ኣደታቶም “ኢትዮጵያ”፣ ንባዕላቶም ወይ ስም ኣቦታቶም እውን ተፈሪ፡ ሃይለስላሴ፡ ምነሊክ፡ ወ.ዘ.ተ…ዝብል ነበረ። ብምኽንያት ስክፍታ ከኣ፡ ስሙ፡ ስም ኣዲኡ ወይ ስም ኣቦ ዝቐየረ ተጋዳላይ ኣይሰማዕናን።

ንሱ ብናትና ኣረኣእያ ዘይኮነስ፡ ብናቱ ኣተሓሳስብኡ “ኤርትራዊ ኣይኮንኩን” ዝብል ውሽጣዊ ቅልውላው ስለዝነበሮን ዘለዎን፡ ብዋጋ ኤርትራ ንምቁማር ዝቀራረብ ዘሎ። ስለዚ በቲ ኣብ ደሙን ኣንጉዑን ዝሰረጸ ባዕላዊ ስምዒታት፡ ኤርትራ እንተጠፍአት ምንም ድምብርጽ ዝብሎ ሰብ ኣይኮነን። ዕርቡን ንመግዛእቲ ክኾኑዎ’ኳ ኢዩ ነዞም ዓሰርተታት ኣሽሓት ”ደምህት” ኣብ ጎይቢ ኣደታትና ንዝነበረ ጠስሚ እናመገበ፡ ደቂ ውሻጠ ገይሩዎም ዘሎ። ብሎኮታትና ይቆጻጸሩ፡ ይገፉን ይኣስሩን፣ ይምርምሩን ንደቀባት ይርሽኑን ኣለዉ።

ኢሳይያስ፡ ነቶም ቅጫ ኣደታቶም’ኳ ዘይጸገቡ ደቂ ውሻጠ ዝነበሩ ኤርትራውያን መንእሰያትን ቆልዑትን ድማ፡ ብመኾስተር የባርሮም ኣሎ። እዚ ሓቂ’ዚ ዘይወሓጠሉ ዜጋ፡ ጽባሕ ንገዛእ ርእሱ ከም ዱባ ናይ መሰለስ ምስ ኮነ ክበርሃሉ ምዃኑ ርግጸኛ እየ። እሂ! እታ ሓቀኛ መስትያት ንመልክዕ ኢሳይያስ ብንጹር ስለዝገለጸቶስ ሕርኽርኽ’ዶ ኢሉኩም ገለ ገለ ዱባታት? ወዲ ዓድና፡ ወዲ ጸሎት’ዩ፡ ወዲ ሓማሴን’ዶ፡ ክርስትያናይ’ዶ፡ ዳዊት ዘንብብ’ዶ ይመስለኩም ነይሩ ኣንቱም ዱባታት?

ኢሳይያስ ብዛዕባ ኤርትራ ኣብ ተለቪዥን ዘቑጸልጸለ ሓሶትን ባዶሽ መብጽዓታትን ን24 ዓመታት ተዛሪቡ። ወቀጥ መስተንክር’ዩ! ድራም ኣይሓሱ!! ወግሐ-ጸብሐ፡ ከምቲ ንቆልዓ “ዝብኢ መጸካ!” እናበልካ ተሰንብዶ፣ ኣብ ረድዮን ተለቪዥንን ህግደፍ ድማ፡ ”ወያነ መጸት…ክትወረኩም ኢያ…ኣሜሪካ ክትደግመኩም’ያ” ይባሃለለይ፡ መስታህብል! ንባዕሉ ኣብ ቆርበት ኤርትራውያን ዝሰፈረ ቁርዲድ ክነሱ፣ ሸውዓተ ቀመማት ፖለቲካ ንክኾኖ ያኢ፣ “…ጠፋእኩም ብወያነ” ክብል ዘሚሩ።

ወዳጄ መዝሙር!! ’ጸማም ሓደ ደርፉ’ ኣንቱም ሰባት፣ ወዲ ሰብ’ዶ ን17 ዓመታት /1998-2015/ ብሓንቲ ላልማየ-ላሎ ይስዕስዕ’ዩ! ብግብሪ መንገዲ ኢሳይያስ ከኣ ጉዕዞ ንዕዳጋ ኤርትራ ኢዩ። ስለዚ እቲ ኩሉ ተካል መጋብር፡ ኤርትር ንምሻጥ ኢዩ። እዚ ናይቲ ካብ 1942 ክሳብ 1952 ብግዜ መግዛእቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ተምሳል ትኽክለኛ ቅዳሕ ኢዩ። መራሕቲ ሃይማኖት “ካብ ሓጥያት ርሓቑ” ኢሎም ኢዮም ዝነግሩ። ሰባት ግን ነናቶም ምርጫ ኢዮም ዝወስዱ። ንሕና ከኣ ብዛዕባ መንገዲ ኢሳይያስ ንነግር ኔርናን ሕጂ’ውን ኣብዚ ዘመነ ምዕናው ኣባይቲ ገና ንነግር ኣለና። እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ፡ ሕልና ዘልዎ ከኣ ነብሱ ይሕከኽ።

ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደገርጊስ ”…ነዛ ሃገር እዚኣ ባዕለይ እየ ኣምጺአያ፡ ባዕለይ ከኣ ከጥፍኣ’የ” ኢሉ ጽሒፍዎ ዘሎ፡ ኢሳይያስ ከኣ ንኩላቶም እቶም ንኤርትራ ዘምጽኡዋ ደቀባት ምስ ዳጎነን ቀንጸለን፤ ሃገር ናብ ዕዳጋ ብጨረታ ንምሻጥ ይቀራረብ ኣሎ። ”ዱባ ብገርሁ ናይ መሰለስ ኮነ” ከም ዝበሃል፡ ጽባሕ መሬትኩም ብስቡሑ፡ ባሕርኹም ምስ ላህመቱ፡ ኣንስትኹም ምስ ስልማተን፡ ኣዋልድኩም ምስ ወለብአን፡ ነብስኹም’ውን ኣብ ገዛእ ዓደቦኹም፡ ካልኣይ ዜጋ ክትኮኑ ኢኹም።

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!