ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቤቱ ይባረር፥ ኣባ ሉቃስ ኣብ ሆቴላት ኤውሮጳ ይዕንድሩ

ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኹ ርእይዎን ሰሚዕዎን  ዘይፈልጥ፥ ንኽትሰምዖ ዘደንጹን ዘስካሕክሕን ከቢድ ዝኾነ ፈተናታትን ስቓይን የሕልፍ ኣሎ። እዚ ድማ ብተደጋጋሚ ከም ዝተገልጸ፥ መርገም ናይዞም፥ ኣቦ ክኾኑና ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ዝተዋህቡና ወዲ 90 ዓመት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን፥ ስቓይ እቶም  ብዘይፍርድን ሕግን ኣብ ጎዳጉድን ሸላታትን ዝነብዑ ዘለዉ ንጹሃት ዜጋታት፥ ንብዓት እተን ብዘይፍትሕ ዝማእመና፥ ዝኽትምና እቶም ብዘይመርድእ ኣቦኦም ዝነብሩ ዘለዉ ገጽ ኣቦኦም ዘይጸገቡ ንጹሃት ህጻናት ። ድኻም እቲ ወዲ ወዱ ዝሕንግር ዘሎን ቀባሪን ኮዓቲ ጉድጓድ ዘይብሉ ዝተረፈ ሽማግለ ኣቦ፥ ሓዘን እታ ሰበይቲ ወዳ ክትእብድ እትውዕልን፥ ገጽ ወዳ ዝሰኣነት ኣደን፥ ኮታ ክንደይ ኢልካ እሞ ክጽብጸብ ዘይቆረረት ስድራ፥ ዘይናፈቐት ሓፍትን፥ ገረውረው ዝበለ ካንሸሎ፥ ቆጺርካ ዝውዳእ ኣይኮነን።

ሕዝቢ ኤርትራ ብመራሕቲ ፖለቲካን ብመራሕቲ ሃይማኖትን ተጠሊሙ፥ ጉድጓድ ክፍሕር ይነብር ኣሎ።

እዚ ኩሉ ጸገምን ኣደራዕን ከብቅዕ፥ ካልእ እንተ ተረፈ፥ ኣብቲ እዉጅን ፍሉጥን እዋን-ሱባኤ ጾም ኣርብዓ፥ ካብ ጳጳሳት ጀሚሮም ኩሎም መነኮሳት ኣብ በዓትታትን ገዳማትን ሱባኤታትን ዝዕጸዉሉ፥ ካህናት ብቕዳሴን ብጸሎትን መስዋእቲ ዘዕርጉሉ፥ ምእመን ኩሉ ምሕረት ዝልምነሉ እዋን እዩ።  እዚ ኣብ እንጽበየሉ እዋን እዩ ድማ፥  ናይ ፖለቲከኛታት ልኡኽ ጉጅለ ብስም ሃይማኖት፥ በቶም ነጹርን ግሉጽን ክሕደት እግዚኣብሔር ዘለዎም ኣባ ሉቃስ እናተመርሐ፥ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዓዲ ዓዲ ሸናዕ ዝብል ዘሎ።

እዚ ኩሉ ጉያን  ዓበድበድን ኣብ ጾም ኣርብዓ ናይ ኣባ ሉቃስ ሓደ ነገር ንምርካብ እዩ። ንሳ ድማ ስልጣን ፓትርያርክ ዓቃቢ መንበር ፓትርያርክን ንምርካብ እዩ።  እዚ ስልጣ እዚ ካብ እቲ ንቓሉ ርኹስ ዝበልዎ ሕያው ኣምላኽ ዘይኮነስ፥ ካብቶም ለኣኽቶም ፖለቲከኛታት ክብርን ስልጣንን ንምርካብ እዩ።

ኣባ ሉቃስ እዚ ኩሉ ገበን ዝፍጽሙ ዘለዉ፥ ዓገብ ዝብል ስለ ዝወሓደ፥ ኣጣቓዕቲ ስለ ዝረኸቡን፥ ኣነ ይንበር እምበር ናይ ካልእ እንታይ ገደሰኒ ዝብል ስለ ዝበዝሐን እዮም። ሃይማኖትና ተደፊሩ፥ ፓትርያርክና ተኣሲሮም፥ ንሕና ምስ መስቀልና ተሰከምቲ ብረት ገይሮሙና፥ ኢሎም ሞት ተሳጊሮም ዝመጹ፥ ኣብ ዝተዓቖቡለን ሃገራት ብሰንኪ እምነትናን መዓርግናን ፈተና በጺሕና ኢሎም ነቢዖም ዑቕባ ዝሓተቱን ካህናትን ዲያቆናትን፥ ነቶም ትማሊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ከውሊ ገይሮም መረበት ዓደቦኦም ዘስኣንዎም በዓል ኣባ ሉቃስ ከም ንህቢ ዓሲሎሞም ክትርኢ ከሎኻ ነብስካ ትምንን። ብፍላይ ኣብዚ ኣብ ኤውሮጳ ታቦት ሃቡና ጥራይ እምበር ኣብዚ ኮንና ክንግብረልኩም ኢና ኢሎም፥ ኢድ ክነስኡን፥ ብኢድ እዞም ፍጹም ኣምላኽ ዝኸሓዱ ቆቢዕ ጵጵስና ዝለበሱ፥ ብውግዘት ስላሴ ዝተኣስሩ፥ ተባሪኾም ክቕበሉ ክትርኢ፥ ምእማኑ እዩ ዘጸግመካ። እምበርዶ ፍጡራት ሰባት እዮም? ዝብል ሕቶ ይቕረበካ። ሕዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ፥ ፍልጠት ስለ ዝኣበኻ ኣነ ድማ ካህን ከይትኾነኒ ክኣብየካ እየ። ሕጊ ኣምላኽ ስለ ዝረሳዕካ ኣነ ድማ ንደቅኻ ክርስዖም እየ።” ሆሴእ። ብመጠን እቲ ምብዝሓኦም ኣብዚሖም በደሉኒ፥ ኣነ ንኽብረቶም ናብ ነውሪ ክልውጦ እየ። ሓጢኣት ሕዝበይ ይቕለቡ፥ ልቦም ድማ ናብ ኣበሳኦም የድህብ ኣሎ። እቲ ካህን ከኣ ከም ህዝቢ ክኸውን እዩ። ኣነ ድማ ብሰሪ ኣካይዳኦም ክቐጽዖም፥ ግብሮምውን ክመልሰሎም እየ። ንእግዚኣብሔር ምስዓብ ሓዲጎም እዮም እሞ፥ ይበልዑ ኣይጸግቡን፥ ይምንዝሩ ኣይበዝሑን።” ሆሴእ 4:6-10።

ኣባ ሉቃስ ኣብ ውግእ ኢትዮ-ኤርትራ ቤተ ክርስቲያን ዓዲ ቀይሕ ብነፋሪት ተሃሪሙ ኣብ ቅድሚ ተለቭዥን ቀሪቦም ክበኽዩ ተራእዮም እዮም። ከመይሲ ኣብ ሓደ ጊዜ ናይ ምምሓልን ምንባዕን ባህርይ ዘለዎም ንኽነብሩን ክኸብሩን ክብሪ ኣምላኽውን ዘይግድሶም እዮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ክርስቲያናት፥ ቤቶም ፈሪሱ ስእነትን ሽግርን ደቆም ሒዞም ኣብ በረካን ጎልጎልን ዝጎሓፉሉ ዘለዉ እዋን ጾም ኣርብዓ፥ ኣብ ኤውሮጳ ፈቐዳ ሆቴላት ምስ ኤምባስታት መንግስትን ምስቶም ሕልናኦም ዝሸጡ ካህናትን ኣኼባታት የካይዱ ኣለዉ። ሕሉፍ ሓሊፎም 21 መጋቢት 2015 (12 መጋቢት 2007 ግእዝ) ምስቶም ንኣና ይጥዓመና እምበር ናይ ካልኦት እንታይ ገደሰና ዝብል ውሳኔ ዝመረጹ፥ ካህናትን ዲያቆናትን፥ ኣብ ዓዲ ጥልያን ኣኼባ ክገብሩ ይሻባሸቡ ኣለዉ። ብምትላል ዝመጽእ ምዕባለ ድማ የለን።

ሕዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፥ ሕዝቢ ተዋህዶ ድማ ብፍላይ ነዞም ኣቦና ኣሲሮምን ኣጥፍኦምን ኣቦኹም እየ ዝብሉና ዘለዉ፥ ኣባ ሉቃስን ሰዓብቶምን ዝሓተሉ እዋን ክህሉ እዩ። ንእኦም ጸሓይ ትዓርቦም ኣላ፥ ነቶም ውጹዓት ግን ጸሓይ ናብ ምብራቓ እያ። “ንዳሕራይኪ ተስፋ ኣሎኪ፥ ደቅኺውን ናብ ዶቦም ክምለሱ እዮም” ኤርም። 31:17

ኣባ ሉቃስን መሰልቶምን፥ ንዝኸሓድዎ ኣምላኽ ይቕረታ ሓቲቶም ሱባኤ ኣትዮም ክንስሑ፥ ኣብ ጉድጓድ ንዘእሰርዎም ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስን ካህናትን፥ ደቆምን ኣንስቶምን ይቕረታ ክሓቱ፥ ጊዜ ዘለዎም እመስለኒ።

 

ዘንስር ዮሓንስ።

 

ጥውይዋይ ልብታት!

ጥውይዋይ ልብታት!
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/
26 ለካቲት 2015

ቀደም ዘመን፡ ‘ለካቲት ቅጫ ኣይተርጉዲ በላ ንሰንካቲት’ ኢዩ ዝበሃል ዝነበረ ኣብዚ ወርሒ’ዚ። ሎሚ ከኣ ብሰንኪ እዚ ኣብ እንግድዓ ህዝብና ዝተኾደመ፡ ገና’ውን መኸልሒ ዘይተረኽቦ መንደዓት ህግደፍ፣ ቅጫና ካብ ዝረቅቕ እነሆ ርብዒ ዘመን ኮይኑ። ቅጫና ጥራይ እንተዝረቅቕ’ውን፡ ኣይምጉሃናን። ብሰንኪ ሓጺናዊ መስገደል ኢሳይያስ፣ መሰልና ረቂቕ፡ ባህጊና ረቂቕ፡ ጻማና ረቂቕ፡ ተስፋና ረቂቕ ኮይኑ። ንሱ ጥራይ ከይኣክ ከኣ፡ ጠባይና’ውን ከም ቋሬጣ ዘመነ- ኣካሒዳ ረቒቑ። ምስ’ዚ ከኣ ኣብ መዓልታዊ ጉዕዞና፡ ጥውጥዋይ ልብታት ኣይወሓደን ያ ጀምዓ!

ኣብ ክፍላ ወርሒ ለካቲት፡ ብቅንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ንመበል 25 ዓመታት ንስርሒት ፈንቅል /ብሩራዊ ኢዮቤልዩ/ ከብዕል ኢዩ ቀንዩ። ከምቲ ‘ንቁም በብህላወነ’ ዝበሃል፡ ኣብ ልቢ መራሕቲ ህግደፍን ኣብ ልብታት ህዝቢ ኤርትራን ዝነበረ ዝኽርታት ግን ነንበይኑ ኢዩ። መዓስ ንሱ ጥራይ! ኣብ ሃገራውያን ጉዳያትና ብዝምልከት፡ ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ ዝነበረን ዘሎን ልብታት’ውን ጥውጥዋይ ዝበዝሖ ኢዩ።

ህዝቢ ንጅግንነት ኤርትራውያን ኣብ ዝዝክረሉ፡ ንመዓልቲ ናጽነት ይኹን ንመዓልቲ ሰማእታት ኣብ ዘኽብረሉን እዋን፡ ዓቢ ናይ ሕልና ዝኽሪ ኣሎዎ። ናብቲ ስርሒት ዝተኻየደሉ ቦታ ክጓዓዝ እንከሎ ድማ፡ ካብ መቓብር ጀጋኑ፡ ከም ንግደት ሜካን ኢየሩሳሌምን ሕልናዊ ዕግበት ንምርካብ ኢዩ ከካብ ገዛውቱ ዝብገስ። ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ዝገብሮም ሃገራውያን በዓላት፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብዓረማ ከም እትሕለብ ላም፡ ብጅግንነት ደቁ እናኣዛናግዐ ንምህማልን ኢዩ ዝሰርሓሉ። ‘በጥ በል ሽደን፡ ብጻይና ኣይኮነን ወደያ ግብረቱ’ ከም ዝበሎ ሰብኣይ በዓል እምባደርሆ ከኣ፡ እወ! ኣንታ ህዝቢ፡ ወላ’ኳ ምሳኻ ኮይኑ እንተሳዕስዐን እንተመደረን፣ ብጻይካ ኣይኮነን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ።

ደምበ ተቓውሞ’ኸ ብከመይ ዝኣመሰለ ኣገባብ ወይ ዝኽሪ ኢዩ ዘብዕሎ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ረዚን ዋጋ ዝኸፈለሉ ዓበይቲ ውራያት። እቲ ኣብ ጉዕዞ ብረታዊ ቃልሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብውድባቱ /ተ.ሓ.ኤርትራን ህ.ግ.ሓ.ኤርትራን/ ዘመዝገቦ ዓወታት፡ ብሙሉኡ ንጉጅለ ህግደፍ እንተደኣ ተገዲፉሉ፡ ኣጸጋሚ ኢዩ። ደምበ ተቓውሞ ካብቲ ጸቢብ ኣረኣእያታት ከይተላቐቐ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ክተዓረቕን ብጋህዲ ክላለን ኣይክእልን ኢዩ። እንተደኣ ንዝኾነ ስርሒት ሰውራ ኤርትራ ናብ ቆፎ ኢሳይያስ ዘእቱ ኣረኣኣያ ኣሎ ኮይኑ፡ ኣይግድን! ስለዚ ውዕሎ ስርሒት ፈንቅል፡ ብቀንዱ ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነ፡ ኩሉ ደላዪ ፍትሒ፣ ብዉዕዉዕ መንፈስ ከብዕሎን፡ ነቶም ኣብኡ ዝወደቑ ዜጋታቱ ብዕምቆት ክዝክርን ምተገብአ።

ከምቲ ውሕጅ እናሰሓቕካ ኢዩ ዝወስደካ ዝበሃል፡ ኢሳይያስን ስርዓቱን ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ትሪም-ሪም ብዝብል ኮቦሮታት እናኣሳዕስዐን እናኣደበለን ኢዩ ናብ ውዲት ‘ትግራይ ትግርኚ’ ንክወስዶ ኣብ ምሽብሻብ ዝርከብ ዘሎ። ‘ትግራይ ትርግኚ’ ዝብላ ቃላት፡ ብሙሉእ ርእሰ-ተኣማንነት ንብዙሕ ዓመታት ተዛሪበለንን ጽሒፈለንን እየ። ምንም ከኣ ንድሕሪት ዝምለስ ኣረኣእያ የብለይን።

ሓቂ’ዩ፡ እዘን ‘ትግራይ ትግርኚ’ ዝብላ ቃላት ሓያሎይ ሰባት ኣይፈትዉወንን ኢዮም። ስኽፍክፍ ኢሉ ከም ዝኾኹዮም ከኣ፡ ኣብ ቦታይ እንከለኹ እስመዓኒ። ገለ ሰባት’ውን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ይድውሉለይን ኢመይል ይጽሕፉለይን ኢዮም። ግን፡ እቲ መልእኽተይ ከኣ ንዕላማን መንገዲን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝገልጽ’ምበር፡ ኪንኡ ኣብ ናይ ፖለቲካ ደበንገረ ንዝተኸወሉ ሕቡኣን ዝምልከት ኣይኮነን። ‘ተሓቢአን ይጠንሳ፡ ሰብ ኣኪበን ይሓርሳ’ ከም ዝበሃል፣ ናይቶም ሕቡኣን ምልላይ ድማ፡ ግዜ ዝምልሶ ጉዳይ ኢዩ።

ስለዚ ንሕና ህዝቢ ኢና! ንውዕሎ መስተንክራዊ ጅግንነት ተጋደልቲ ኤርትራውያን ድማ፡ ብዝኽሪን ኣንክሮን፡ ብንብዓትን እህህታን ኢናfenkel እንዝክሮ። እሂናይ ደኣ’ኸ ናትና’ኳ’ዮም እቶም ሰራሕቲ ታሪኽ! ንሕና ዘይዘከርናዮም ደኣ መን ክዝክሮም? እቶም ኣብ ረግረግ ሳሊና ዝተቐብሩን፡ ከም ጥረ ካብ ብሱል ሓጻውን ሩስያ ተሰኪሞም ዝኸዱ ዘለዉ ስንኩላንን’ኮ ክሰርቁ እንከለዉ ኣይኮኑን ለሚሶም።

ንስጋለት ቀጣን ዝሰገሩ፡ እጹብ ድንቂ ታንኪታት ከም ሰብ ዛርቲ ዘሰራሰሩን ሂወቶም ዝወፈዩን እኒ ገረዝግሄር ከሰተ /ማጉላ/ እኒ የማነ ፍስሓጽዮንን /ቁፍሩላህ/ ወዲ ኣለምን ከመይ ቢልና ንርስዖም? ንሳቶም እኮ ኢዮም ሓዋርያ ስርሒት ፈንቅል!
እታ ናይ ጀጋኑ ታንኪ፡ ንስጋለት ቀጣን ከም ስርኤል ቀትሪ ኣብ ክንዲ ቋሕ-ሰም ዘይኣክል ግዜ ሰጊራስ፡ ነታ መንገዲ ዓጊታ ሰብ ዝወድአት ናይ ጸላኢ ረሽራሽ /ዙ-23/ ጽዒና ዝነበረት መኪና ኣብ ልዕሊኣ ተኾዲማ ጨፍለቐታ።

ታንኪ ተጋደልቲ ከኣ ምስ ሰባ፡ ብፋጎት ዝተባህለ ዘመናዊ ተተኳሲ ጸላኢ ነደደት። እዚስ ይእመን’ዶ? መድፍዕ፡ ሰብ ይደሊ ኢዩ። ስለዚ እኒ ጃጓር፡ ታይገርን ኮማንደርን ከኣ ሰባት ኣለልየን ኢየን ንመስተንክር ስርሒት ፈንቅል ዝተበገሳ። ስርሒት ፈንቅል ዝሰርሐን ኣብ ሳሊና ዝወዓለን፡ ወዲ ኤርትራ’ምበር ካብ መንዶበልዎ ዝነጠበ ኣይነበረን። ስለዚ፡ እቲ ሕፍሶ ዓወት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ግምጃ’ምበር፡ ናይቶም ብናጽነት ኤርትራ ዝተጣዕሱ፡ መቓብር ሰማእታት ዘንቀጥቀጡን ንደምህት ዝሕብሕቡን ጠላማት ህግደፍ ኣይኮነን። ነዚ ሓቂ ብምግንዛብ፡ ጉራማይለ ልብታት ኣይመድለየን።

ስርሒት ፈንቅልን ውጽኢቱን፡ ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ግርም’ዶ! እምበኣር ንብረት ህዝቢ ካብ ኮነ፡ ኣብ መስተንክር ውዕሎ ደቂ ኤርትራ፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለዉ ኤርትራውያን ክምልስዎ ዝግበኦም ሕቶታት ኣሎ። ብሓቂ ንዝቕበሎ ሰብ ወይ ጉጅለ ድማ፡ ስርሒት ፈንቅል መበገሲን መራኸቢን ክኾነና ምተገብአ። ኣብ ደምበ ተቓውሞ፡ ንተራን ክብሪን ሰውራ ኤርትራ ዘነኣእሱ ሓደስቲ ፈላስፋታት፡ ንውዕሎን ጅግንነትን ተጋደልቲ ኤርትራውያን ፍጹም ዘይቅበሉ ጎቦ-ጨረታት፡ ውሑዳት ኣይኮኑን። ንምግዳል ከም መርገም፡ ነቲ ንነፍሱ ረሲዑ ከም ባሕታዊ ገዳም ዝተጋደለ፡ ተጋዳላይ ድማ ከም ዕላማ ኣልቦ ኮብላሊ ገይሮም ዝርእዩዎ ምህላዎም ዘስደድምም ኢዩ።

ደርፊ ወዲ ትኹልን ወዲ ሸኽን ዝሰምዓ፡ ዜማታት ከድጃ ኣደም ወይ ኣብርሀት ኣንከረ ዝሰምዐ: ብስም “ደጋፊ ህግደፍ” ምኹናን ምስ ምንታይ ኢዩ ክቑጸር። ብዛዕባ ኣባልነት ህግደፍ ደኣ፡ ኣለዋ’ኮ ኣብቲ ምምዝጋብ ንኣባልነት ህግደፍ ዝነበረሉ ግዜ፡ ብመራኹስ ከይደን ዝተመዝገባ። ነይሮም’ኳ ኢዮም ናይ ክልቲኡ መራሕቲ ሃይማኖት ናይ ህግደፍ ናይ መንነት ካርድ ዝተቐበሉ። ናብ ህግደፍ ዘይተመዝገበ ዜጋ፡ ረድኤት ይኹን ጤሳ ኣይወሃቦን ኢዩ ይበሃል’ውን ነይሩ ኢዩ’ኮ።

ሓሸውየን ጥውጥዋይ ልብታትን ደምበ ተቓውሞ ብዙሕ ኢዩ። ብካልእ ወገን’ውን ገና ኣብቲ “ጀብሃ” “ሻዕብያ” ዝብል ሕንቅልሕንቅሊተይ ዝቕልሱ ምህላዎም፡ ቀንዲ ጠንቂ ምብትታን ደምበ ተቓውሞ ኮይኑ እስመዓኒ። ‘ጀብሃ’ ናትና፡ ‘ሻዕብያ’ ድማ ናትና ኢዮም። ጀብሃ ወይ ሻዕብያ ግን ሃይማኖት፡ ጃምዕ ኣልኹላፋ ኣልራሺዲን ወይ ቤተ ክርስትያን ኣይኮነን። ክሳብ ልክዕ ዕድመኻ ከም ሃይማኖት ክትኣምነሉን ከተምልኾን ምንባር ድማ፡ እነሆ ውጽኢቱ ብጋህዲ ይነግረና ኣሎ። እቶም ኣብ ክልቲኡ ውድባት ዝነበሩን ዘለዉን ዜጋታት ናትና’ዮም! ንመን ደኣ ክንህቦም?
እቶም ንውዕሎን ታሪኽን ‘ጀብሃን’ ‘ሻዕብያን’ ዝጠለሙ ከሓድቲ ህግደፋውያን ግን፡ ናትና ናይ ህዝቢ ኣይኮኑን። እንታይ ማለት’ዩ’ኸ ሎሚ ድሕሪ ፍርቂ ዘመን “ጀብሃ” “ሻዕብያ” ኢልካ ምብትታን? ብኣረኣእያ’ዞም ሰባት ምግዳል፡ ወይ ተጋዳላይ ብላሽ እንተኾይኑስ፣ ብሙሉኡ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸፈሎ ክብሪ፡ ዋጋ በለስ ክኸውን ኢዩ ማለት ኢዩ። መረብ ንተከዘ ሒዛ ትዕበ ከም ዝበሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንሰውርኡን ንውዕሎ ጀጋኑ ደቁን ሒዙ ኢዩ ዝዕበ። እቲ ምንታይ፡ ኣብ ዘመነ ገድሊ፡ ዘይተጋደለ ህዝቢ ስለዘይነበረ፣ ምግዳል ሓበን ዝነበረሉ እዋን ኣይረሓቐን። ንፍረ ገድሊ ዝኾነ ናጽነት ኢዩ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ዓለም፡ ብ99.8% “እወ ንናጽነት” ኢሉ ድምጹ ዝሃበሉ። መን ደኣ ኣፍረዮ ናጽነትን ረፈረንደምን? ምግዳል ብላሽ እንተኾይኑ፡ ደም ጀጋኑና’ውን ደመ-ከልቢ ክኸውን ኢዩ። ስለዚ ኣንቱም ሰብ ጥውይዋይ ልብታት፡ ስለ እዚ ዝጠፍእ ዘሎ ዘራይ ዘይረኸበ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንዑ ደኣ ጋእ በሉ።

ሎሚ ብሰንኪ ኢሳይያስን ውሑዳት ጭፍራኡን ግዜ ምስ ሓንገደ፡ ንኩሉ ‘ህዝባዊ ግንባር’ ‘ሻዕብያ’ ‘ህግደፍን’ ኣብ ሓደ መኹባዕቲ ኣእትዮም ዘደባለቑዎን ብኣልማማ ኩነኔ ዝተራእየን። እንደገና’ውን እዞም ሰባት፡ ከምቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘብዕሎ “በዓል ባሕቲ መስከረም” “በዓል ናጽነት” “በዓል ሰማእታት” ከብዕሉን ክእከቡን ይረኣዩ። እቲ ናጽነት ብደሙ፡ ብኣዕጽምቱን ሂወቱን ዘምጽአ፡ እቲ ንሞት ብፍሽኽታ ዝተቐበለ፡ ከም ጽምብላሊዕ እናረኣየ ናብ መግሃር ሓዊ ዝኣተወ … እወ! እቲ ኣብ ጉዕዞ ንናጽነት ዝተሰውአ’ኮ ተጋዳላይ ኢዩ ዝነበረ’ምበር ቀሺ ዓጣን ደብሪ ኣይነበረን።

ህዝቢ ኤርትራ እምባ መግዛእቲ ብኳዕናኑ እንከሎ፡ ዓለም ዘይገሰሱን ደናግልን ደቁ ኢዮም ተበጅዮም። ወዲ ሓጂን ወዲ ቀሺን፡ ምርያምን መርየምን፡ ትግረን ትግርኛን፡ ሳሆን ዓፈርን፡ ኩናማን ናራን፡ ብሌንን ሕዳርብን ኢዩ’ኮ ከፊሉ እዚ ህዝቢ። መስተንክር ጅግንነት ደቀንስትዮ ኤርትራውያን ድማ፡ ብርቂ መለክዒ ኤርትራውነት ኢዩ ዝነበረ። እሞ ንምንታይ ደኣ ልቢ ህግደፍ ጥራይ ከይኣክልሲ፡ ካልእ ጥውጥዋይ ኣድለየ? ኣብ ስርሒት ፎርቶ፡ ኣብ ውዕሎ ጅግና ወዲ ዓሊ ዝነበረ ሓዞቕዞቕ’ኳ ተማሂርናሉ ኢና። ብሳላ ግዜ፡ ከምቲ ‘ኣሎ ተካል ዕልልታ፡ ኣሎ ከኣ ርሑስ ኣውያት’ ዝበሃል፡ ንተበግሶ ገዳይም ተጋደልቲ ኣብ ፎርቶ፡ ነንበይኑ ጸሎት ኢዩ ተሰሚዑ። እዚ ከኣ ካብ ነንበይኑ ልብታት ዝመንጨወ መንጫዕጫዕታ ኢዩ ዝነበረ። ንለውጢ ዓወት ብውሽጢ ንከይመጽእ ስግኣት ዝነበሮም ሰባት’ውን ርኢና’ኮ ኢና። ‘ኣሓ ርእዮም ቃውጭ ይሕጸዩ’ ከም ዝበሃል፡ ከደት ጉዳይ ፎርቶ ምስ ተባህለት ከኣ፣ ግምጥል ኢሎም ድጉሽቶትና! ኢሎም። ሽዑ፡ ንጅግንነት ወዲ ዓሊ ማዕረ ሰማይ ሰቒሎሞ ክነሶም፡ ሎሚ ንግሆን ምሸትን ዝዛረብዎ ግን ነንበይኑ ኢዩ።

ብድሕሪ ስርሒት ፎርቶ፡ ብስነ-ፍልጠታዊ መንገዲ ድሕሪ ምግምጋም ክንደይ ርሕቀቱ መንገዲ’ኸ ተሪፉና ኣሎ ምባል ንጉዕዞኻ ዝኸውን ጫማ ንከተዳሉ ይሕግዘካ ኢዩ። ኢሳይያስ ብዙሕ ግዜ ካብ መጻወድያ ኤርትራውያን ኣምሊጡ’ኳ እንተኾነ፡ ገና ብድሕሪ ወዲ ዓሊ፡ ብሃገራዊ ፍቕሪ ናይ ዝነደዱ ደቀባት ዝተደጎለ ጓህሪ ክህሉ ከም ዝኽእልሲ ንኣምን ኢና። እቲ ምንታይ፡ ጉዳይና ጉዳይ 5 ሚልዮን ህዝቢ፡ ሰፍ ዘይብል ዋጋ ዝተኸፍሎ ስለዝኾነ።

ከምቲ ቀደም ግዜ ‘ሰስግኡ ንከልቢ እንዳ ጎይታና፣ ዓዓጽሙ ድማ ንዓና’ ዝበሃል ዝነበረ ጽውጽዋይ፤ እቲ ስለ ናጽነት ኤርትራ ጨው ዝፈረየ ተጋዳላይ /ኣብ ተ.ሓ.ኤ.ን ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን/ ስለ’ቲ ደርማስ ኣበርክቶኡ ሓኸለ ናጽነት’ኳ ዝግብኦ እንተነበረ፣ ኣይከም ዝተጸበዮን! ስለዚ ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ ኢልና ቅድሚ ምትላምና፡ ልብታትና ነወሃህድ። ንማሕበረ-ቁጠባዊን ፖለቲካዊ መዋቕርን ኤርትራ፡ ታሪኽን ውዕሎን ጀጋኑ፡ ህሉው ኩነታት ግንባር ህግደፍን ግንባር ህዝቢን ብደቂቕ ምትንታን ድማ የድሊ ኣሎ። ጥውጥዋይ ልብታት ያዕ ንበሎ!

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

እግሪን ኮቦሮን ነንበይኑ!

እግሪን ኮቦሮን ነንበይኑ!

ሃብተማርያም ኣብራሃ፡
ለንደን ዓዲ – እንግሊዝ

21 የካቲት 2015

ሰላም ዝኸበርኩም ኣሕዋተይን ጀጋኑ ደቀይን። ‘ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ’ ከም ዝበሃል፡ ደጊም ኣብ ጉዳይ ህዝብናን ሃገርናን ዝተረፈና ነገር የለን።

PDF: ምሉእ ትሕስቶ…

ደም ስኒ!

ደም ስኒ!
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/
ሰንበት 22 ለካቲት 2015

እቲ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝነበረን ዘሎን ናይ ጽልግልግ ጉዕዞ፡ ውጽኢቱ ሓድሕዳዊ ምምንጫት ኢዩ ኣስዒቡ። ብዙሕ ንድሕሪት ምምላስ ከየድለየ፡ ቅድም ኣብ መንጎ ኪዳንን ባይቶን፡ እንደገና’ውን ኣብ ውሽጢ ባይቶ ብዝተፈጥረ ምውጣጥ፡ ዕንወት ባይቶ ኣኸቲሉ ኢዩ። ባይቶ፡ መሰጋገሪ ድልድል ንክኸውን ትጽቢት ተገይሩሉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ህዝቢ’ውን በብዓቕሙ ድልድል ባይቶ ንምህናጽ፡ ዝከኣሎ ተንዲኖን ስሚንቶን ኣቐቢሉ ኢዩ። ወላ’ኳ እቲ ትጽቢት ጥርዚ ደይቡ እንተነበረ፡ ኣይኮነን’ዶ ጽኑዕ ድልድል ኮይኑ ከሰጋግርሲ፣ ክንዲ ታንኳ ቶኾምብያ’ውን ክበቅዕ ኣይከኣለን።

‘ደም ስኒ፡ ካብ ቱፍ ትብሎስ ትውሕጦ ይበዝሕ!’ እዚ ብሂል’ዚ ኣብ ኣሕዋት፡ ወይ ኣብ ናይ ዕላማ ሰባት ንዝረአ ዘይምቅዳው ንምውሕሓጥን ምጽውዋርን ዘመልክት ልቦና ዘድልዮ ኣበሃህላ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ዓበይትን ንኣሽቱን ውድባትን ሰልፊታትን ዝነበረን ዘሎን ምምንጫት ጸብጺብካ’ውን ዝውዳእ ኣይኮነን።

ኣብቲ ብዕብየቱን ስፍሓቱን ደሓን ዝነበረ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ዝኣተወ ምግምማዕን ምስ ኢ. ኤም. ዲ. ጀይ /E.M.D.J/ ዝተፈጥረ ኣዝዩ ኣሰሓሓቢ ምትፍናን ከኣ ብጋህዲ ደምበ ተቓውሞ ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ ሒዝዎ ካብ ዝነበረ መንገዲ ከም ዝተኣልየ ኢዩ ነጊሩና ዘሎ።

ኣብ ወብ ሳይታት ብደምበ ተቓውሞ ንዝጸሓፍ ምክሳስን ኣዋጃትን ገማጢለ ብድሕሪ ምንባብ፡ ንህዝቢ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ብዘይካ ብውሽጢ ሃገር፡ ብካልእ መንገዲ ክመጽእ ዘይሕሰብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዘይሕለም እውን ኢዩ ናብ ዝብል መደምደምታ በጺሐ። ህዝቢ ኤርትራ: ገለ ዝኸፍሎ ዕዳ ግዲ ነይሩዎ ኮይኑ፡ ዕድሉ ኣይጸበቐን! ጸበብኡ ይኣክል እንተዝብሎስ፡ ተበግሶ ጅግና ወዲ ዓሊ ኣብ ስርሒት ፎርቶ ክዕወት ነይሩዎ። ‘ኣቦይን ኣደይን ነንበይኑ ጸሎቶም!’ ለውጢ ብውሽጢ ክበሃል እንከሎ፡ ገብኢ ዝገብረሎም ጉጅለታት ከኣ ኣለዉ።

ዘገርም’ዩ! ለውጢ በቲ ህዝብና እትብሎ፡ በቲ ስለኡ እቃለስ ኣለኹ እትብሎ፡ ለውጢ በቲ ኣዝዩ ግዳይ ዲክታተር ዝኾነን ድከቱ ዝሰሓነን ወገን ክትቅበሎ ዘይምድላይሲ ምስ ምንታይ’ኮነ ኢዩ ዝቑጸር? ‘እንዳባ ሱር ይተኽሉ፡ ሱር ይነቕሉ፡’ ከም ዝበሃል፣ ውዒልና ሓዲርናስ፡ በቶም ትማሊ ታሪኽ ዝሰነዱ ህዝቢ፡ በቶም ውዒሎም ሓዲሮም ሱር ዝተኽሉን ዝነቕሉን ብእንዳ ኣቦና ኢና ክንድበስ።

ስለዚ ነፍስ-ወከፍ ደላዪ ፍትሒ፡ ብውልቂ ይኹን ብጉጅለ፣ ኣብ ውሽጢ ምስ ዘሎ ህዝቢን ዝርካቡ ሰራዊትን ሰንሰለት ክፈጥር ኣለዎ። ስርዓት ህግደፍ ገና ምስ ኮራርምቱ እንከሎ፡ ልዕሊ 30 ውድባትን ሰልፊታትን ኣለዋ ክበሃል እንከሎ፡ ንመስደምም ኢዩ። ‘ክልተ ስኒ ይህልዋኣ’ሞ፡ ብወዲ ሞጉእ ትምውጸን’ ከም ዝበሃል፡ ቀጣን መዓልትስ መተዓዛዛቢት! ገለ ውድባት ካብ ኣጻብዕቲ ሓንቲ ኢድ ዘይሓልፍ ቁጽሪ ከም ዘለወን ተረዲእና።

ኣብዘን ዝሓለፋ 3-4 ዓመታት፡ ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ፣ (ደሓር’ውን ከም ኢቦላ፡ ናብ መንእሰያት ብስም /EYSNS EYSC/ ዝለሓመ ሕማም ተላገብ) ብዘይካ መመሊሱ ዝግተር ግርጭት፡ ዝፍታሕ ባእሲን ምስሕሓብን ኣይተራእየን። ስለዚ ደምበ ተቓውሞ፡ ማዕጾ ዘይብሉ ዝኾነ ዝኣትዎን ዝመላለሰሉን ዳስ እንዳ ሓዘን ኢዩ ኮይኑ ዘሎ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ቀረባ መዓልታት እቲ ምኩር ጋዜጠኛ ኣቶ ኣማኑኤል ማህደረ ምስ ክልተ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለዉን ኣብ ንጡፍ ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ፡ ሃገራዊ እጃሞም ዝገብሩ ዘለዉን ሰባት (ቀርነልዮስ ዑስማን፡ ጥዑምዝጊ ሃይሉ /ወዲ ባሻይ/) ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለ-መሕትት ኣንቢበ። ኣቐዲመ ድማ ነቲ ብዓቢ ተገዳስነት ቃለ መጠይቕ ዝገበረሎም ኣማኑኤል ማህደረ ኣድናቖተይን ምስጋናይን አቕርብ። ኣቶ ኣማኑኤል ማህደረ ኣብ ናይ ክልቲኦም ቃለ መሕትቱ፡ ንቃል-ዓለም እውን ትኹን እንኮ ነጥቢ ኣየትረፈን። ብዘይ ሕብእብእ፡ ብዘይ ቁጡብነትን ብክፉት መንፈስ ኣብ ዝገብሮ ቃለ መሕትት፡ ኣዝዮም ብዙሓት ሓቂታት በሪሆም ኣለዉ። ‘ሰብ ይሕመ ዕባራ ይግመ’ ከም ዝበሃል፡ ወላ እቶም ቃለ ምልልስ ዝገበሩ መራሕቲ ውዳብት’ውን ከም ሰባት መጠን ኣብ ዝሓለፈ ተመኩሮታቶም ጉድለት ክህልዎም ባህርያዊ ኢዩ። እቲ ኣብ መንጎ ውድባትን ባይቶን ዝነበረ ዘቕረብዎ ዝርዝር ጉዳያት ግን፡ ብልክዕ ንገጻት ደምበ ተቓውሞ ዝገልጽ ትንታኔ ኢዩ ነይሩ።

ብሰንኪ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ዝጠፈሹን መንገዲ ሓርነት ዝተደናገሩን ሰባት ዝፈጠርዎ ሓርጎጽጎጽ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ንሰራም ጸላኢና ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ንግዚኡ ኣወንዚፍና፡ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝረአ ሓላፍ-ዘላፍ ንክንዛረብ ንግደድ ኣለና። ደም ስኒ ዝበሃል ልቦና ዓበይቲ ኣይተዘከረን። እዚ ከኣ ክኸውን ዘይነበሮ ጉዳይ ኢዩ። ኣኽላባት ንሓድሕዶም ብሓንቲ ዓጽሚ ይበኣሱ’ሞ፡ ድምጺ ዝብኢ እንተሰሚዖም ግን ንኩሉ ጉዳያቶም ገዲፎም ኢዮም ንጸላኢኦም ዘባርሩ። እሞ እንታይ ደኣ ኢዩ ማጨሎት ደምበ ተቓውሞ? ኩሉ ተቓላሳይ ኤርትራዊ ስለ ህዝቢ ክብል፡ ንሓድነት ሱባኤ ክኣትወሉ ዝግበኦ ግዜ ሎሚ ኢዩ።

ብፍላይ ከኣ ንስምረት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ብዝምልከት፡ ድቃስ ዘይህብ ዕዮ ገዛ ኣሎና። ካብኡ ናብኡ ከኣ ንስሙር ቃልሲ መንእሰያት። እዚ ድማ ብሰንኪ ዘይምዕሩይ ኣከያይዳ ደምበ ተቓውሞን ውልቀ-ሰባትን ዝመጸ ተርእዮ ኢዩ። ውልቀ ሰብ፡ እወንታን ኣሉታን ጥርዚታት ከብጽሕ ይኽእል ኢዩ።

ጠንቂ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይምምዕርራይን ሓድሕዳዊ ምኑቛትን ከኣ፡ ዝተፈላለየ መበገሲን ጥሙሕን ክህልዎ ከም ዝኽእል እኣምን። hexawintiእቲ ቀንዲ ድኹም ጎድኒ ደምበ ተቓውሞ፡ ቅድድም ንኮረሻ ስልጣን ኢዩ። እታ ሰድያ’ኮ ሓንቲ ኢያ። ንሓደ ሰብ ጥራይ ኢያ ድማ ትሕዝ። ኣብ ሰድያ ዝተኾየጠ ውልቀ-መላኺ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ንሓንቲ ሰድያ ዝሻመዉ ሓለምቲ ድማ ኣብ ደገ። ከይሰራሕካ ንሓላፍነት ምቅድዳም፡ ፍትሓዊ ንክትከውን ዘይኮነስ፡ ዳግማዊ ውልቀ-ምልካዊ ንክትከውን ምሕላም ጥራይ ኢዩ። ኣብ ደምበ ተቓውሞ ሓደ ወትሩ ዝደጋገም መዝሙር ኣሎ፡ “ስልጣን ንህዝቢ” ኢዩ ዝብል እቲ ቅኒት። እሞ ስልጣን ንህዝቢ ኢዩ ኢሉ ዝመሓለ ሰባ ክወዳደርን ክተሃላለኽን’ዶ ይግበኦ ኢዩ። ‘እዛ ብርኩታ፡ እምኒ ኣላታ’ ቃላት ንበይኑ፡ ተግባር ከኣ ንበይኑ።

ናትና ኣከያይዳ ዘገርም ነገር’ዩ፡ ገና ጸላኢና መመሊሱ ህዝቢ እናቐርደደ እንከሎ፡ ሕጻናት ከይተረፉ ቅጫ ኣዲኦም ከይጸገቡ እናሃደሙ፡ ቅድድም! ዘገርም ኢዩ። ማዕረ-ማዕረ ደምበ ተቓውሞ ከም ንፋስ ምድረ-በዳ ዝሕምበብ ተጻብኦ ኢሳይያስ እውን ኣሎ። ኣብ ደምበ ተቓውሞ፡ ነዚ ስለያዊ ሽርሒ እዚ ክጥምት ዝኽእል መነጽር የለን። ንድሕሪት ንመለስ’ሞ ካብ ተመኩሮና ንመሃር ኣብ እንብለሉ ግዜ፡ ተመኩሮን ውዕሎን ህዝቢ ኤርትራን ሰውርኡን፡ መዓልቱ ከም ዘሕለፈ መድሃኒት /EXPIRE/ ከም ዝኾነ ዝዛረቡ ሰባት ኣይወሓዱን። ሃየ በሉ እስከ እቲ ዓቐበት ኣብ ቅድሜኹም ኣሎ’ሞ፡ ኣወጻጽእኡ ኣርእዩና እንተበልካዮም ከኣ፡ ንድሕሪት እናጠመቱ፡ ዝሕጥ-ምሕጥ!!

እዚ ጽሑፍን ሓበሬታን እዚ ብቀንዱ ነቶም ብዛዕባ ዕምቆት ሰውራ ኤርትራን ውዕሎ ደቂ ህዝቢን ብዙሕ ኣፍልጦ ዘይብሎም መንእሰያት ወለዶታት ኤርትራ ብዝያዳ ይምልከት። ‘ተመሃሩ ደቀይ ተመሃሩ’የ’ ተባሂሉ ኢዩ ቀደም። ስለዚ ሕጂ’ውን ናብቲ ክንበጽሖ እንደሊ ጥርዚ ሓርነት ንምብጻሕ፡ ፋረ ቀዳሞት ኣቦ-ሓጎታት፡ ኣቦታትን ኣያታትን ምውራስ ከድሊ ኢዩ። ንገድሊ ኤርትራ ከም ሓጥያት፡ ንኩሉ ተጋዳላይ ድማ፡ ከም ቅርሱስ ዘይዕድለኛ ጌርካ ምርኣይ እናሳዕረረ ክመጽእ ጸኒሑ ኢዩ። ሰውራ ኤርትራን ተዋሳእቱን ግን (ስዉኣትን ህሉዋትን) ከምኡ ኣይነበሩን። ሕጂ’ውን’ኮ ወላ ህዝቢ በብእነቱ ይጸሊ፣ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ፡ ውዳሴ ማርያም ወይ ዱዓ ዘይኮነስ፡ ብቀንዱ ሰውራ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። ስለዚ ናይ ሎሚ ሰውራ ንክዕወት፡ ንኣሉታዊ ሸነኻት ሰውራ ያዕ ኢልካ፡ ካብቲ ትማሊ ዝነበረ ጽቡቕ ነገራት ዘመነ ገድሊ ክውሰድ ምተገብአ።

ንስለ ምጽሓፍ’ምበር ከምቲ፣ ‘በዓል ኣመል ኣመሉ ኢእሓድግ፡ ዎ ደብር ዲብ ኣካኑ’ ዝበሃል ምስላ ብሄረ ትግረ፤ እቶም ብቅድሚ 30 ዓመታት ብዝነበረ ኣረጊት ቢኒኮሎ ዝርእዩ ውልቀ ሰባትን ውድባቶምን ርእይቶኦም ንምቕያር ፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን። ከም ዝመስለኒ፡ ንሓደ መሰረታዊ ለውጢ ኣብ እትቃለሰሉ ግዜ፣ ቅድም ፈተውቲን ጸላእቲን ኣለሊኻ ምፍላጥ ኣድላዪ ኢዩ። ምልላይ ፈተውቲን ጸላእቲን ከኣ ሓባሪ ስትራተጂ ኢዩ። ኣብ ቃልሲ ንመሰረታዊ ለውጢ፡ እቲ ቀንዲ ፈታዊ ህዝብኻ ጥራይ ኢዩ። ኩላቶም ካልኦት ፈተውቲ ብድሕሪ ህዝቢኻ ኢዮም ዝስርዑ። እዚ መትከል’ዚ ከይሓዝካ፡ ናብ መዲናታት ኢትዮጵያ ዞኽ-ዞኽ ምባል ፋይዳ ኣልቦ ምዃኑ፡ እነሆ ውጽኢት ሸንኮለል ደምበ ተቓውሞ ብንጹር ስእሊ ኣርእዩና ኣሎ።

‘ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትኖኣ ትናፍቕ’ ከም ዝበሃል፡ ናይ ደምበ ተቓውሞ ጽላለ ንበይኑ ዓይነት ኢዩ። ነቲ ዝወለዶም፡ ንገዛእ ህዝቦም ዝንዕቁ፡ ንውዕሎ ጅግንነት ሓርበኛታቶም ዘቆናጽቡ፡ ንደም ሰማእታቶም ረሲዖም ስለ ሰማእታት እንዳማቶም ዘስቆርቁሩ፣ ንመንነቶም ለጠቕ ኣቢሎም ንጎረባብቲ ዝንእዱ፡ ንባርካን ሳሕልን ዝረግሙ፡ ንደደቢት ክምርቑ ዝውዕሉ፡ ንውዕሎ ግንባር ናደውን ስርሒት ፈንቅልን ዘቆናጽቡ ውሑዳት ኣይኮኑን።

‘ደም ስኒ ካብ ጡፍ ትብሎስ ትውሕጦ ይበዝሕ፡’ ንዑ ደኣ ምክሳስን ኣሕሊፍካ ምውህሃብን ይጽንሓልኩም’ሞ፡ ሞት ስርዓት ህግደፍ ንምቅልጣፍ፣ ንመሰረታዊ ህዝባዊ ቃልሲ ብእግሪ ኣያ ዑቕባይ ተተሓሓዙዎ።

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!