ሰልሶ ደኣ ይብላኻ!
ሰልሶ ደኣ ይብላኻ!
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ መጋቢት 28-2015
ጓይላ ክስለስን ከይስለስን ናይቶም ተለሃይቲ ጉዳይ ኢዩ። ተዓዘብቲ፡ መርዓዊን መርዓትን ክስዕስዑ እንከለዉ፡ ባህሊ ስለዝኾነ ጓይላ ደስ እንተ ኢሉዎም “ሰልሶ የ… ሰልሶ ደኣ ይብላኻ” ኢሎም’ዮም ዝደርፉ። ተዛሪብካ እንታይ ኣምጻእካ እንድዩ ነገሩ፣ ሎሚ’ውን ነቶም ኣብ ቢሻን ኣብ ማዕ ዕዳጋን ኣስናን ህግደፍ ዘጉረፉ ሓይልታት’ዶ ንበሎም መናፍስቲ፣ ‘ሰልሶ ደኣ ይብላኻ’ ክብሎም እደሊ። ክሳብ’ዚ ዕለት እዚ፡ ነቲ ስጉምቲ ዝወሰደ ኣካል ዛጊት ብወግዓዊ መንገዲ ኣይተፈልጠን።
ተስፋ እንተዘይነብር፡ ወዲ ሰብ’ውን ኣይምሃለወን። ስለዚ ንሕና ከም ደቂ ኢሳቕ፡ ብተስፋ ኢና እንነብር። ሕጂ’ውን እቶም ንምቕባርና ጎዳጉዲ ዝኾዓቱ ተዃሉ ህግደፍ፡ ኣብታ ዝኾዓትዋ ጋህሲ ከም ዝኣትዉ፣ ብተስፋ ክንጽበ ኢና። ስለ’ዚ እየ ድማ፡ ብድሕሪ ድርብ ጓይላ ቢሻን ማይ ዕዳጋን፣ ሰልሶ ደኣ ይብላኻ ኢለ ንክሕንጥጥ ዝተበገስኩ። ኢሳይያስ ብዘይካ ቋንቋ ሓይሊ ካልእ ዝኾነ መረዳድኢ ቃላት ስለዘይብሉ፡ ጉዳይና ከኣ ብሓይሊ ጥራይ ኢዩ መዕለቢ ዝረክብ። ስለዚ ኣንታ ከም ኣጋንንቲ፡ ኣብ እዋን ከውታ ሰማያት ቢሻ ዝነቕነቕካ፡ ሕጂ’ውን ሰልሶ ደኣ ይብላኻ!
‘ዕዉር እንታይ ትደሊ፡ ብርሃን’ ነጋዳይ’ከ ደሓን’ ከም ዝበሃል፡ ንሕና ከኣ እዚ ጠቃር ግዜ ህግደፍ ተቐንጢጡ፡ ብርሃን ክንርኢ ስለ እንደሊ፣ ብድሕሪ ምድካር ቢሻ፡ ትካላት ኢሳይያስን ብጾቱን መመሊሱ ኣስናን ኣደይ መዘንግዕ እንተኾነ፡ መቕደዊና’ምበር ኣይክሓስመናን ኢዩ። ንሱ’ዶ ኣይኮነን ፈላስፋ ጥፍኣትና? ንሱ’ዶ ኣይኮነን በዚ ኤርትራ ረኺባቶ ዘላ ሕሰም ዝሕተት? ስለዚ ኣንታ ስርኤል ቢሻ፡ ሰልሶ ደኣ ይብላኻ!
በዚ ይኹን በቲ፡ ዕድመ ህግደፍ ንምሕጻር ዝተጀመረ ስርሒት ስለዝኾነስ ብድሕሪ ድርብ ጓይላ ኣብ ቢሻን ኣብ ማይ ዕዳጋን፣ ተለሃይቲ እንተሰለሱዎ፡ ኣብ ቅርዓት ኢሳይያስ ኢዩ ክኸውን እቲ ስብራ። ብዛዕባ ስርሒት ቢሻን ማይ ዕዳጋን ብዝምልከት፡ ኣቦይን ኣደይን ነንበይኑ ጸሎቶም ኮይኑ ቀንዩ ኣሎ ወረታትና። ከምቲ ሓርበኛ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም “ኤርትራውያን ንከይንሰማማዕ ተሰማሚዕና ኢና” ዝበልዎ፡ ንሕና ኤርትራውያን ድማ ሎሚ ፈጺምና ንከይንሰማማዕ ተፈራሪምና ኢና። ኣብ ብዙሓት ወሰንቲ ጉዳያት ፈንጨጋር ዝኾነ ኣመለኻኽታ ስለዘሎና፡ ተሰማሚዕና ኣይንፈልጥን ኢና።
ፍልልያትና ብሳልዳትርሺ’ውን ክለሓም ስለዘይክእል፡ አሔው! ከከም ጸሎትና ይግበረልና ንብል። ንሕና ኤርትራውያን፡ በዚ ሎሚ ቅነ ኣብ ቢሻን ማይ ዕዳጋን ዝወረደ ስጉምቲ’ውን ክንሰማማዕ ኣይንኽእልን ኢና። ንመደንጾ! ክኸውንሲ፡ ‘ምብላዕ ምብልዑ፡ ዝብኢ ዓድና ይብልዓዮ!’ ይብሉ ሰባት ኣለዉ። ኢሳይያስ ስጋናን ደምናን ጸጊቡ፡ ፍጊዕ ኢሉዎ ክሳብ ባዕሉ ዝእለ፡ በዚ ናትና ዝብኢ ትም ኢልና ንበላዕ ዝብሉ ሰባት ምርኣይ ከኣ ሓድሽ ጉዳይ ኣይኮነን። ለባማት፡ “ክልተ ሰባት ርእስኻ የላን እንተኢሎሙኻስ፡ ሃሰስ በላ” ይብሉ። ስለዚ ረርእስኻ ፈትሽ ኣንታ ህዝቢ!
እዚ’ውን ሓደ ካብቲ ብቐሊሉ ዘይለሓም ፈንጨጋራትና ኢዩ። ከምቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ንደብዳብ ትካል ቢሻ ኣመልኪተ “ማሕጎማ” ብዝብል ዝጸሓፍኩዎ ኣርእስቲ፡ ዛውራይ እውን እንተዝድገም ክንደይ’ኮን ደስ ምበለኒ! ወላ’ኳ ናይ ርእይቶ ፍልልይ ጸጋ ነቲ ዝገብር ዝዓግቶ እንተዘይኮነ፡ “…እዚ ስርዓት እዚ ብኣና ክህረም ኣለዎ” ብዝብል ኣረኣእያ፡ ምህራም ትካል ቢሻ ዘጉሃዮም ኣሕዋት ብምስመዐይ ሓዚነ። ከምቲ ‘ሰራሕ ገንኢ፡ ምስራሕ ሞጎጎ ይኣብዮ’ ዝበሃል፡ እቲ ንግንባራት ደርግ ዝደምሰሰን ቅያ ዝሰርሐን ህዝቢ ኤርትራ፡ ስርዓት ኢሳይያስ ንምእላይ ኣላሽ ኢሉ’ዩ። ፈቲና ኣይፈቲና ከምኡ ስለዝኾነ ውሽጥናን ውሻጠናን፡ ኣስናን ኢሳይያስ ብዝኾነ ወንጭፍ እንተጎረፈ፡ ብድሕሪ ጓይላ ኣብ ቢሻ’ውን ሰልሶ እንተተባህለስ እንቋዓናይ ተዓለለ ክበሃል ምተገብአ።
ሽዑ ኣብቲ ወጋሕታ ለይቲ ሰዓት 04፡30፣ እቲ መርድእ ንኢሳይያስ ምስ ነገርዎ፡ ከመይ’ኮን ነይሩ ይኸውን ትርግታ ልቡ? ሓንቲ ቦምባ ናብ መደቀሲኡ ወዲቓ ኣቃቢጻቶ እንተትነብር’ከ ስምዒታትና ሎሚ ከመይ’ኮን ምኾነ? ድምጺ ደቂ ሓላላት ኢዩ’ሞ፡ ኣይተርፍን ይኸውን ግዲ! ክሳብ ብሰማይ ድዩ ብመሬት ሰልሶ ደኣ ይብላኻ ዝስማዕ፡ ደጊም ድሕሪ ሕጂ ጽሉልና ከም ውሕጂ ለይቲ መሕደሪኡ ኣይክፍለጥን ኢዩ። ሓንሳብ ከርከበት፡ ጽንሕ ኢሉ ዓድሹማ፣ ኣብ ሳልስቱ’ውን ዓራርብ እናቀያየረ ክሳብ ዝዓርብ ክቕኒ ኢዩ። ረድዮ መሪናዮን ባጽዕን ድማ ኩቦ ደርብዩ፡ ክሰናበተን ኢዩ።
እስከ ጋእ ንበል! ብመጀመርያ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንህዝብና ክሳብ ዘይወከለ፡ እቲ ንሱ ዝወነኖ ንብረት ይዕበ ይንኣስ ናትና ናይ ኤርትራውያን ንብረት ኣይኮነን ክቡራት ኤርትራውያን። ንሳቶም እቶም ጸይቀ_ዕሉላት መራሕቲ ህግደፍ እውን ምንም ኣይብጽሑናን ኢዮም። ስለዚ ብዝኾነ ሓይሊ ድዩ ብበርቂን ነጎዳን ንሳቶምን ንብረቶምን ዑና እንተኾኑ፡ ድራርና ኢዩ ዝዓቢ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ፡ ብቋንቋ እቲ ኣብ ውሽጢ ዝነብር ህዝቢ፡ ስርዓት ደርግ ዝሕሸሉ ግዜ ኢዩ ዘሎ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ኣብ ዘመነ ህግደፍ፡ ብዘይካ ኣብ ትሕቲ መሬትን ባሕሪን ዘሎ ባህርያዊ ሃብቲ፡ ልዕሊ መሬት ዘሎ ንብረትን ወርቂን ኣይንታይናን ኢዩ።
ኣይኮነን’ዶ ወርቂን ማዕድናትን፡ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ጨቖቕ ኢሉ ዘስርሖ ኣባይቱ’ውን ብዶዘራት ይፈርስ ኣሎ። ስለዚ ኣባይቲ’ውን ኣብ ዝኾነ እዋን ኢሳይያስ እንተተቖጡዑ ክፈርስ ስለዝኽእል፡ ኣይንብረትናን ኢዩ። ስደትን ሞትን እውን ገና እግረእግሪ ኤርትራውያን ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ዓመታት፡ ከመይ ዝበለ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን መዋቕር ሃኒጻ ትርከብ ኣላ? እዚ ናይ ዕንወት ካሪክለም ዝሓንጸጸ ስርዓት፡ ብዘይካ ማርሽ-ኡንዴትሮ ንወላ ሓንቲ ስጉምቲ’ውን ንቕድሚት ኣይከደን። ‘ወረ ጎንደር፡ ከከም ጊላዋኻ’ ከም ዝበሃል፡ ኣመለኻኽታና ኣብ ስርዓት ህግደፍ ከኣ፡ ብኡ መጠን ከከም ጊላዋና ኢዩ። እቶም ትካል ቢሻ ተሃሪሙ ኢልኩም ትሓሙ ዘለኹም ዜጋታት ኤርትራ ድማ፡ ኣምላኽ ብጸበሉ ይፈውስኩም።
መሬትሲ ተፋሒሩ። እሞ’ኸ ድኣ ሽያጥ ወርቂ ቢሻ ናበይ ኣተወ? መን’ዶ ኣሎ’ዩ ከም ሸዊት ገደና ካብ ወርቂ ቢሻ ዝተመቕለ? ‘ዘይኣሓኻ ነየቒሓኻ’ ከም ዝበሃል፡ በቲ ኣብ ጁባ ውሑዳት ዝኣተወ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ዝቕይሕ እንተሎ ግን፡ ሎሚ ገጹ ትኪ እንተመሰለ ሓቁ ኢዩ። ምህራም ትካል ወርቂ ቢሻ፡ እዋናዊ መፍጋእቲ ንኢሳይያስ ኢዩ። ብሰንኪ ፋሕፋሕ ምባልና፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ገበነኛ ስርዓት ኣልዩ ዝምነዮ ህዝባዊ መንግስቲ ክተክል ኣይከኣለን። ንድሕሪት ተመሊስና ኣብ እንርእየሉ ግዜ ከኣ፡ ኩላተን ፍጻሜታት ነናተን መዛግብቲ ኣለወን።
ረሰዓይን ዓሻን ህዝቢ ስለዝረኸበ’ዶ ኣይኮነን ነቲ ባዕሉ ዘባርዖ ኲናት ባድመ፡ “ወያነ ኣብ ባድመ ወሪራትና” ኢሉ ንህዝቢን ሃገርን ዘጥፍአ። እወ ሰልሶ ክሳብ ዝበሃልሲ፡ ጋእ ደእእ ንበል። ከመይ ግን ይርሳዕ 1998-2000 ዓ.ም. ዝነበረ ህልቂትን ዕንወትን መዳርግቲ ነይሩዎ ድዩ? ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ተበሳቢሱ’ዶ ኣይኮነን! ሽዑ’ዶ ኣይኮነን ኣብ ደገ ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ንብረትን ገንዘብን ብሰበብ “መኸተ ንወራር” ዝተመንዝዐ! እወ እስከ ንዘክር ኣብ ኣስመራ ብደቀንስትዮ ዝነበረ ኣኼባታት፡ ዘዝነበረን ስልማት’ዶ ንሓጎስ ክሻ ኣየረከባን ኢየን ኣዴታት ኤርትራ!
ከደ ከኣ! ከደ ትርግታ ህዝቢ ኤርትራ እናሰረቐ፡ ነቶም መራግእቲ ሃገራውነት ዝነበሩ መሪሕነት ውድብ ህዝባዊ ግንባርን ጀጋኑ ጋዜጠኛታትን ንዘለኣለም ዘጥፍኦም። ኣበይ ኣለዉ በዓል ማሕሙድ ሸሪፎ ጎይታ ጠባይ፡ ኣበይ ኣተዉ እኒ ድሩዕ ሊቀ-ሊቃውንቲ፡ እንታይ ኢዩ ኣበስኦም እኒ በዓል ዑቕበ ኣብርሃ ኢድካ መሊስካሉ ዘይናኸስ ኣቦ ስድራ፡ አረ እንታይ ኢዩ ገበናቶም በዓል ጴጥሮስ ኣንበሳ ናቕፋ፡ ብርሃነ፡ ሓምድ ሕምድን ጀርማኖን ከ ሕያዎት ናይ ህዝቢ ጓሶት’ዶ ኣይኮነኡን ዝነበሩ። ኣብ ኲናት ዝለመሰ ኣባዓረ’ኸ ክእሰር’ዶ ምተገብአ? በዓል ስዩም ጸሃየ፡ ኪሮስ ዓወር፡ ኢሳስያስ ረድኢ ወ.ዘ.ተ… ምንም በደል ኣይነበሮምን’ኮ! ሽዑ ኢሳይያስ ከምቲ ‘ጩግራፍሲ ነፍሳ ሃሪማ፡ ባዕላ ተአዊ’ ዝበሃል፡ ብሰበብ ባድመ ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓንቲ ፊስካ ኢዩ ከም ጽምብላሊዕ ናብ መጋርያ ሓዊ ሰሪዕዎ። ጠጠቖ ድማ፣ ብሰንኪ ፋሉላዊ ኣከያይዳ ኢሳይያስ፡ ኣብ 1999 ኣብ ባድመን ከባቢኣን፡ ኣብ ወርሒ ግንቦተ-ሰነ 2000 ኣብ ፎውሊና፡ ከርካሻ፡ ገርሰትን ማዕሎባን ዝሃለቐ መንእሰይ ኣብ ምንትምንታይ? ሰብ ምስ ሃለቐ’ኮ’ዮም ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝነበሩ ኮሎኔላት በዓል ሚኪኤል ወሎን ወዲ ዕንቋይን ዝተማረኹ። ስለምንታይ ግን ኤርትራ ንከምኡ ዝኣመሰለ ውርደት ተፈሪዳ?
ናይ ትማሊ ዝተረስዐስ፡ ናይ ቅድሚ ትማሊ ደኣ ከመይ ኢዩ ክኸውን ኣንቱም ህዝቢ? ንስርዓት ህግደፍ እገዳ ይገበረሉ ክበሃል እንከሎ’ውን ብዙሓት ተቓወምቲ መሰል ወረጃታት ማዕዶ፡ “እገዳ ንህዝቢ ክሃስዮ ስለዝኽእል፡ ክግበር የብሉን” ኢሎም። እቲ ቀንዲ ንህዝቢ ዘሰንበረ እገዳ ግን፡ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ። ሓንቲ ኩንታል መሸላ ካብ ጎሉጅ ናብ ኣስመራ ከይትኣቱ፡ ብሑቕ’ውን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንከይንቀሳቐስ ክልኩል ምዃኑ’ዶ ባዕለ ሓዋርያ ጥፍኣት ኣብ ተለቪዥን ኣይኣወጀን ኢዩ? ንኩላቶም ዓቕሚ ዝነበሮም ኤርትራውያን ነጋዶ ብመኾስተር ጸሪጉዎም ኢዩ። ንወደብ ባጽዕ መሕብኢት ንክትኮኖ፡ ህዝባ ኣበሳቢሱ’ዶ ኣይጠረዞምን። እስከ ንምዕራብ ኤርትራ’ውን ኪዱ’ሞ ኩነታት ህዝቢ ገርሰትን ተበልድያን ከመይ ኢዩ ዝነበረ ኢልኩም ሕተቱ።
እቲ ካብ ሽያጥ ወርቂ ቢሻ ዝርከብ ካብ 300-400 ሚልዮናት ዶላራት ዝበሃል፡ ናበይ ኢዩ ዝኣቱ ዝነበረ ኢልካ ምሕታት እዋናዊ ኢዩ። ኣብ ስርዓት ህግደፍ ብፍሉጥ መንገዲ፡ “ኣንታ ህዝቢ እዚ ናትና ብጽሒት ኢዩ፡ እዚ ከኣ እጃምካ ኢዩ” ዝበለ በዓል ስልጣን የለን። ካብ ሽያጥ ወርቂ ቢሻ ባኒን ከኒናን ይግዛእ እንተነይሩ፡ ካብ ሽያጥ ወርቂ ቢሻ ዩኒቨርሲቲ እንተዝህነጽ፡ መብራህቲ እንተዝትከል፡ መነባብሮ ህዝቢ ወላ’ውን ብመጠኑ እንተዝመሓየሽ ነይሩ፡ ኤ…እ! ኢልካ ዝግ ትብል ኢኻ።
እቶት ወርቂ ቢሻ ይኹን ካልኦት ኣታዊታት፡ ብዘይካ ናብታ ዘይትጸግብ ማዕከን ህግደፍ፡ ናብ ካልእ መዓላ ክውዕል ኣይረኣናን። ኣብ ስርዓት ኢሳይያስ ኣታዊ ወርቂ፡ ካብ ኮንትራባንድ ዝርከብ ዶላራት ይኹን ካልእ ሃገራዊ ኣታዊታት፡ ብዘይካ ንሱ ባዕሉን እቶም ብኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ ኣኽላባቱን ካልእ ዝፈልጥ ሰብ የለን። ባንክ ኤርትራ ከም ሃገራዊ ትካል መጠን፡ ዘድልዮ ናይ ወጻኢ ባጤራ ካብ ሓጎስ ክሻ ኢዩ ዝልምን። ኣማሓዳሪ ባንክ ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ ተኪአ በየነ ኣብ ሓደ ኢሳይያስ ዝነበሮ ኣኼባ “…እዚ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝርከብ ዘሎ ዶላራት ናበይ ይኣቱ ኣሎ? ንሕና ከም ባንክ ኤርትራ’ኸ ንሃገር ዝምልከት ዶላር ክንፈልጥን ክንሕዝን’ዶ ኣይግባኣናን ኢዩ?” ኢሉ ምስ ሓተተ ኢዩ ሹዑ ንሽዑ ኢሳይያስ፤ “…ተኪአ በየነ ብዙሕ’ውን ሓሚመ ጸሚመ ትብል ስለዘለኻ፡ ኣመት ጥዕናኻ እንተገብርካ ይሓይሽ። ስራሕካ ከኣ ንክብርኣብ ኣረክቦ” ኢሉ ኣደኪልዎ። ስለዚ ነፈርቲ ኲናት ኢትዮጵያ ድየን ወይስ ካልእ ስርሒት፡ እቲ ቀንዲ እስትንፋስ ዝህብ ዘሎ ትካል ቢሻ ብታርጌት እንተተሃርመ፡ ብዘይካ ምሕጻር ዕድመ ኢሳይያስ፡ ካልእ ናይ ህዝቢን ሃገርን ክሳራ የብሉን። ቀስ ብቐስ ኩሉ ብሓይልታት ምክልኻል ተዓጢዑ ዝነበረ ኣጽዋርን መራኸቢታትን፡ ናብ ደምህትን ተቓወምቲ ኢትዮጵያን ክሰጋገር ጸኒሑ ኢዩ። ስለዚ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፡ ከመይ ገይሩ ኢዩ ኤርትራዊ ሰብ ሃገርን መንግስቲን ኣሎኒ ክብል ዝኽእል? ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ሙሉእ ዘይጉዱል ባጀቶም ካብ ሽያጥ ወርቂ ቢሻ ምንባሩ ክንሰምዕ ጸኒሕና ኢና። ፈነወ ራድዮን ተለቪዥንን “እሳት” ብህግደፍ ከም ዝምወል ኣይዘንጋዕናዮን። ስለዚ ኣብ ቢሻ ቀርኒ ኢሳይያስ ኢዩ ተደርዒሙ ዘሎ።
ኣብ ማይ ዕዳጋ ዝነበረ ተተኮስቲ /ኤምዳድ/ መን ገባሪኡ ብዘየገድስ፡ ነዲዱ ዝብል ዜና ሰሚዕና ኣለና። እቲ መደሰቒ ንደቀባት ዝነበረ ዓረራት ህግደፍ ከም ዓርሞ ሓጋይ እንተነደደ፡ ግሩም ኮነ። ስርዓት ህግደፍ ክብተኽ እንተኾይኑ፡ ስትራተጂካዊ ትካላቱ ክብተኽ ኣለዎ። እቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ጅማት ኢሳይያስ ተተኺሉ ዝነበረ ኢንፍዩዥን ወርቂ ቢሻ’ምበኣር ደጊም ተበቲኹ ኣሎ። እቲ ምብታኽ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ዘገድስ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ፣ መልኣከ ሞት ጉራዴ ተዓጢቑ ንኢሳይያስ የንጸላልዎ ከም ዘሎ ኢዩ ግዜ ነጊሩና ዘሎ። እሞ ከምዚ ዝኣመሰለ ስርሒት እንተተሰለሰ፡ እንታይ ከይብለና! ሰልሶ ደኣ ይብላኻ ኣንታ ኣስናን ህግደፍ ዘጉረፍካ።
ከምዚ ንሰምዖ ዘለና፡ ብድሕሪ ዕንወት ወርቂ ቢሻ፣ ኢሳይያስ ንሰራዊቱ ኣብ ከባቢ ዶባት ፍኒሕኒሕ የብሎም ኣሎ። ኩሉ መራኽቢ ዜናታቱ’ውን ንምልዕዓል ዝምልከት ፈነወ ይዝርግሕ ኣሎ። ‘ኣረጊት ፈከረ፡ ግንቦት ኣዝመረ ኢልካ ኣይትእመን’። ብዘይ ዳንጋ ንባሕሪ ኣይውረድን ኢዩ። ህግደፍ ድማ ንክዕወት ዘይኮነስ፡ ዳግም ደም ህዝቢ ኤርትራ ንምኽዓው ቃታ ክስሕብ ይኽእል ኢዩ። ኣንታ ህዝቢ፡ ሎሚ ኣብቲ በንዚን ዝተነስነሶ ምድረ-ኤርትራ እታ ክርቢት ኣብ ክንዲ ብኣኻ ብኢሳይያስ እንተተወሊዓ፡ ኣዲዮ!
ሞት ክናና ንኢሳይያስ!