ህጹጽ ህዝባዊ ጸውዒት።

ህጹጽ ህዝባዊ ጸውዒት።

ማሕበር ንሓድነትን፡ ፍትሕን፡ ድሕንነትን ኤርትራ ኣብ ከትማ ስያትልን ከባቢኣን፡ ካብ’ቲ ኣብ ኤርትራ ሃገርና ተፈጢሩ ዘሎ ዘስካሕክሕ ዕንወት ህገርን፡ ህልቂት ህዝብን ምኽንያት፡ ብምብጋስ፡ “ሕጂስ ይኣክል፡ ሕልናና ፈቲሽና ንተንስእ፡ ንበራበር፡ ነድሕን ሃገርና” ኣብ ዝብል ጭርሖ ብምምርኳስ ንኣብ ሲያትልን፡ ከባቢን ዘሎ ሓፋሽ ህዝብና ብምጥርናፍ ብሓባር ኰንካ ብምቅዋም ፍታሕ ንምምጻእ ትጽዕርን፡ ትቃለስን ኣላ።

Uዝቢ ኤርትራ ነታ በማእተ- ኣሸሓት ዝኣክል ህይወት ህዝባን ፡ ብምልዮናት ዝቑጸር ንብረታን፡ ንዋታን ከፊላ ብ 1991 ዘምጸኣታ ነጻነት ሃገር ፈጺማ ከየስተማቐረታ ከላን፡ እቲ ኩሉ ዝነበረ ሃገራዊ ሕልምን ፡ ትምኒትን፡ ባህጊን፡ ብውልቀ መላኺ አሳያስ ኣፈርቂን፡ ውሑዳት ተሓባበርቱን ፡ንሕድሪ ስውኣት ብጾቶም ብምጥላምን፡ ብምኽሓድን፡ ስለ ዝተመንዝዔ፡ ሓፈሻዊ ኩነታት ሃገርና፡ ኣዝዩ ተበኪኑ ተሪፉ፡ ንታሕቲ ኣቢሉ ብቐጻልነት አና ኣንቆልቆለ ድሕሪ ምኻድ ከኣ፡ ኤርትራ ሃገርና ነጻ ሃገር እያ ኢልካ ንክትጽውዓ እውን ኣብ ዘጠራጥር ኩነታት በጺሓ ዘላ ።

እቲ ብውልቀ- መላኺ አሳያስ ዝምራሕ መንግስታዊ ቅዋም ዘይብሉ ሰርዓት፡ ንክፋል ህዝብናን፡ መንእሰያት ደቅናን፡ ብሰንኪ’ቲ ጽንኩርን፡ ዘስካሕክሕን ዝኾነ ዕለታዊ መነባብሮን፡ ፖሊቲካዊ ጭቆናን ምኽንያት፡ ሀገሮምን፡ ስድርኦምን ገዲፎም ከምዝባረሩ ብምግባር፡ ኣብ ፈቐዶ ር መዲተራንያን ብቐጻሊ ይጥሕሉን፡ ኣብ ሳይናይ መድረበዳ ይቕዘፉን ኣሎዉ። ብዚ ኣብ’ዚ ወርሒ’ዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ዘስካሕክሕ ቅትለት ኤርትራውያንንን፡ ኢትዮጲያውያንንን፡ ብኢድ ኣረማውያን ዝኾኑ “ኣይሰስ” ዝበሃል ዝመጸውዒዖም ኣረማውያንን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ማዕበል ናይ መዲተራንያን ባሕሪ ዝጠሓሉ 350 ዝኣኽሉ ኣሕዋትናን ፡ ደቅናን ዝኸፍእ ኩነታት የለን። ይኹን’ምበር ነዚ ሕሱም ኩነታት’ዚ ውልቀ- መላኺ እሳያስን ሰዓብቱንከ እንታይ ርእይቶ ይህቡሉ ኣሎዉ ኢልና ምስ እንሓትት፡ ርእይቶን፡ መግለጺን ብዘይምሃብ፡ ብውሽጢ- ውሽጢ ንወልዲን፡ ንበተ- ሰብን ሓዘን ንኸይገብሩ የጠንቅቑን፡ የፈራርሑን ከምዘሎዉ ይሕበር ኣሎ። ብኣንጻሩ ከኣ መላአ ህዝቢ ዓለም ብቅሉዕ ይዛረበሉን፡ ይሓዝኑሉን፡ ይጣበቐሉን ኣሎ። ተራናኸ ደኣ እንታይ እዩ ?

ብተወሳኺ ከኣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዘሎ ህዝብና እንተኾነ በቲ ብቢዕለቱ ዘጋጥሞ ዘሎ ዘስካሕክሕ ማእሰርትን ፖለቲካዊ ራዕዲን፡ ጥሜትን፡ ኡልቂትን፡ ምሉእ ህዝቢ ዓለም፡ ክብኽየሉን፡ ተቓውሞ ከርእየሉን ከሎ፡ ብኣንጻሩ ከኣ ካብ ደቂ ሃገር ዝኾንና ኤርትራውያን፡ ብቑዕ ዝኾነ ጥርኑፌን፡ ተቓውሞን፡ ርህራሄን፡ ተሓባበርነትን ነርኢ የሎናን። እዚ ዘሕዝንን፡ ዘሕፍርን ድኽመት እዩ። ኣብ ገሊኡ ሸነኻትና’”ውን ኣብ ክንዲ ኣውያትን፡ ጸሎትን፡ ምህለላን ነርኢ፡ ኣብ ፈቐዶ ጓይላን፡ ዳንከራን ጥሒልና ንርከብ ስለዘሎና፡ ህዝብና ብሰንኪ ተጠርኒፉ ዘይምጽናሑ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ናይ ምክፍፋልን፡ ደም ናይ ምፍሳስን ቅድሚ ምብጻሕና፡ ተጠርኒፍና ንናይ ሓባራዊ ሽግርና ናይ ሓባር ፍታሕ ንክንረኽበሉ ናይ ኩልና ናይ ሞራልን፡ ሕልናን ሓላፍነት እዩ።

ብካሊእ ሸነኻት ናይ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ክንዕዘብ ከሎና ከኣ፡ ባኣሸሓት ዝቑጸሩ ክፋላት ህዝብና ብዘይተገልጸ ምኽንያት ኣብ ኩሉ ቤተ-ማአሰርቲ ኤርትራን፡ ኣብ ጩራ ጻሓይ ዘይብሉ ፈቖዶ ጎዳጉዲን ፡ ብዘይ ፍርዲ ንብዙሓት ዓመታት ዝኣክል ይሳቐዩ ኣሎዉ። ንሕናኸ ብዛዕብኡን ፡ ብዛዕባ’ቶም ዝተረፉ ካልኦት ዓበይቲ ሽግራት ሃገርና እንታይ ዓይነት ናይ ተቓውሞ ተራ ተጻዊትና ንፈልጥ? ነዘን ሕቶታት እዚኣተን ነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ መልሲ ክህበላ ይግባእ።

ብተወሳኺ ከኣ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ርእሲ ወተሃደራትን፡ ክፍለ ሃገራዊ ጸጥታን ኤርትራ ፡ ፈጺሙ እምነቱ ስለዘጥፍኤ ብታቓወምቲ መንግስቲ ኢትዮፒያ ዝብል ጉልባብ ዝፍለጥ ዕሱብ ወተሃደራዊ ስርዒት (ደምሒት) እዩ ዝሕሎ ዘሎ። እዚ ዕሱብ ወታሃደራዊ ስርዒት’ዚ ኣብ ርእሲ ህዝብና፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮና ፡ ብዙሕ ግፍዕታት ይፍጽም ኣሎ። አቲ ቀንዲ ዕላምኡ ንስርዓት ኢሳያስ ንምክልኻል ስለዝኾነ፡ ዝኾነ ንመንግስታዊ ንስርዓት ኢሳያስ ዝቃወም ወትሃደራዊ ሓይሊ መስዝትንስእ ፡ ንኽምክቶ ቅሩብ ከምዝኾነ ዘየጠራጥር ሓቂ እዩ፡ ንምምካት’ዚ ዕሱብ ወተሃደር’ዚ ከኣ ናይ ነፍስ-ወከፍ ኤርትራዊ ሞራላዊን፡ ሃገራውን ሓላፍነት እዩ።

እብ’ዛ ጽንክርቲ ዝኾነት ናይ ዕንወት ሃገርናን፡ ህልቂት ህዝብናን ግዜ’ዚኣ በቲ ካብ ኣቦታትና ዝወረስናዮ ቅኑዕ ባህልና ዝሕብሮ መሰረት፡ መራሕቲ ሃያምኖትናን፡ ዓበይቲ ዓድናን፡ ናይ መሪሕ ተራ ክጻወቱ ስለ ዘሎዎም፡ ማሕበር፡ ንሓድነትን፡ ፍትሒን፡ ድሕነትን ኤርትራ፡ ብሕልፊ’ኳ ንመራሕቲ ሃይማኖትና መሪሕ ተራ ንኽጻወቱ ህጹጽ ጻውዒት ትገብረሎም ኣላ። ፍሉይ ሕቶን፡ ርእይቶን፡ ለበዋን፡ ምስ ዝህሉ ከኣ ኣብ 206 334-3554 ወይ ከኣ 206-271-3656 ብምድዋል መልሲ ክርከብ ይከኣል እዩ።

ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስወኣትና !!
ውድብ ሓድነትን፡ ፍትሒን፡ ድሕነትን ኤርትራ ኣብ ሲያትልን ከባቢኣን።

ዲፕሎማሰኛ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ነቲ መንግስቲ ብምርሕራሕ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ !

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቀዋሚ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ዝርከቡ ሓሙሽተ ዲፕሎማሰኛታት ሓደ ነቲ መንግስቲ ብምርሕራሕ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ።

እቲ መሓመድ እድሪስ ያዊጅ ዝተባህለ ዲፕሎማሰኛ፣ ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ኣብ ማሕበር መንእሰያት ብምጥርናፍ ብደረጃ ዝተፈላለየ ሓላፍነት ዘገልገለ ምዃኑ’ዩ ዝጠቕስ።

እቲ ኣባል ህዝባዊ ግንባርን መንግስቲ ኤርትራን ምዃኑ ዘመልከተ ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቀዋሚ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተዋህቦ ተልእኾ ብምርሕራሕ፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተተሉ ምኽንያት፣ ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሸትኡ ብልክዕ ክሃርም ብዘይምኽኣሉ’ዩ ኣስሚርሉ።

ዝተቓለሰሉ ዕላማ ክትግበር’ዩ ብዝብል ብተስፋ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ምስቲ አንግስቲ ክቕጽል ከምዝጸንሐ ዘመልከተ ኣቶ መሓመድ እድሪስ ያዊጅ፣ ሕጂ ግና ብዛዕባ ፍትሕን ደሞክራሲን ኣብ ኤርትራ ተስፋ ኣብ ዘቑርጽ ደረጃ ብምብጽሑ፣ ነቲ መንግስቲ ክርሕርኽ ከምዝወሰነ የረድእ።

ዝርዝር ኣስማት ኤርትራውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት

ሰላም ኩቡራትን ኩቡራንን ተኸታተልቲ ማሕበረሰባዊት ሬድዮ ድምጺ ወጋሕታ ሳሊና፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ልዑል ግደ ካብ ዝነበሮም ጡርጡራት ኤርትራውያን እቶም 20 ኣብ ትሕቲ ፖሊስ ኢጣልያ ኣትዮም ኣስማቶም ዕላዊ ምዃኑ ኣብ እዋጀ ዜናና ምቕልሑ ይፍለጥ።

እነሆ ኩሉ ኤርትራውን ማሕበረሰብ ዓለምን ነዞም ኣብ ልዕሊ የሕዋቶም ታሪካዊ ገበን ንዝፈጸሙ ገንዘብ ዝሃይማኖቶም ብህይወት ደቂ ሰባት ዝነግዱ ጥርጡራት ገበነኛታት ክፈልጦም ማኣንታን ናይ 20 ኤርትራውያን ኣስማት ኣብ ኢድና በጺሑ ኣሎ ከምዚ ዝስዕብ ነቕርቦ ኣለና።

  1. ኣስገዶም ግርማይ ኣምቼ ዕድመ 40 ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ኣብ ካታንያ ጣሊያን ዝነብር
  2. ማቲዎስ መለስ ዕድመ 48  ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ኣብ ኣግሪጀንቶ ዝነብር
  3. ሙሉብርሃን ግሩም ዕድመ 41 ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ኣብ ካራሚኖኦ ካታንያ ዝነብር
  4. ዓንደመስቀል ያሬድ ዕድመ 26  ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ኣብ ካራሚኖኦ ካታንያ ዝነብር
  5. ነጸርኣብ ጎይትኦም ዕድመ 36  ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ኣብ ካራሚኖኦ ካታንያ ዝነብር
  6. ሃፍቶም ተ/ሃይማኖት ዕድመ 41 ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ኣብ ፎጅያ ዳሓር ካታንያ ዝነብር
  7. ናሆም ኩሩቤል ዕድመ 31 ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ኣብ ሌቸ ደሓር ካታንያ ዝነብር
  8. ኣፎምያ ኢያሱ ዕድመ 34 ኣብ  ኤርትራ ተወሊዳ ኣብ ኣግሪጀንቶ ትነብር
  9. ሙኒር ኢብራሂም ዑመር ዕድመ 20 ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ኣብ ካታንያ ዝነብር
    1. ዮናስ ገብረታትዮስ ዕድመ 27 ኣብ  ኤርትራ ተወሊዱ ኣብ ካራሚኖ ዝነብር
    2. ፍትዊ ነጋሽ ዕድመ 61 ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ኣብ ካታንያ  ዝመንበሪኡ
    3. ጸጋይ በርሀ ዕድመ 29 ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ኣብ ካራሚኖ መንበሪኡ
    4. ዮናስ ረዳኢ  ዕድመ 29 ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ኣብ ካራሚኖ ዝመንበሪኡ
    5. ይርጋ ኣብርሃ ዕድመ 24 ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ኣብ ካታንያ መንበሪኡ
    6. ሙክታር ሑሴን ዕድመ 23 ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ካታንያ ዝመንበሪኡ
    7. ዓንደብርሃን ታረቀ(ዓንዳት) ዕድመ 26 ኣብ  ኤርትራ ተወሊዱ ካታንያ ዝመንበሪኡ
    8. ኤፍሬም ኣማረ ዕድመ 22 ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ሚላን ዝመንበሪኡ
    9. ሚኪኤለ ሃብተ (ሚኪ) ዕድመ 34  ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ሚላን ዝመንበሪኡ
    10. ሙዳሰር መሓመር ዑመር ዕድመ 20  ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ኣብ ካታንያ ዝነብር
    11. መድሃኔ ይሕደጎ መርድእ ዕድመ 34 ዝነብሮ ቦታ ኣይተነጸረን

ኩቡራትን ኩቡራንን ሰማዕትና እዞም ኣቐዲምኹም ሸም ዝርዝሮም ክትሰምዕዎም ዝጸናሕኹም ኤርትራውያን ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ተዋፊሮም ንህይወት ኣሽሓት ዜጋታት ጠንቂ ቅዝፈት ዝኾኑ ጡርጡራት ገበነኛታት ኮይኖም ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትሕቲ ፖሊስ ኢጣልያ ኣብ ቀይዲ ይርከቡ ኣለው።

 
 

ዋና ዝሰኣነ ህዝቢ!!

ዋና ዝሰኣነ ህዝቢ!!

ሰንበት 19 ሚያዝያ ድሕሪ ቀትሪ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ብፍርሂ ከም ዝተዋሕጠን ከም ዝተረበሸን ርግጸኛ እየ፡፡ እቲ ምንታይ ማዕረ እቲ ካልእ ንዓይ ውን ከቢድ ፍርሂ ስለ ዝወረረኒ፡፡ ቀታሊ ጉጅለ ዲዕሽ 28 ኢትዮጵያውያን ኣመንቲ እምነት ክርስትና ቀቲሉ: ዝብል ዜና ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዓለም ምስ ተጋወሐ፡ እቲ ነቲ ጉዳይ ልቢ ኢሉ ዝከታተሎ ዝነበረ፡ ካብ ሰሪ መዓቱ የድሕነና ክብል ብስቕታ ክከታተሎን ክርእዮን ኢዩ መሪጹ፡፡ ዋላኳ ብግዳማዊ ትርኢትና ንነብስና ክንቅሽሻ እንተሓለና፡ ውሽጥና ግን እቲ ሓቂ ሽዑ ንሽዑ ብሕሹኽታ ኣርዲኡና ኢዩ፡፡ ኣብዝሓ ካብቶም ግዳያት ስሕለት ካራ ቀታሊ ጉጅለ ዲዕሽ ( ISIS ) ዝኾኑ ሰማእቲ፡ ካብቶም ሓላይን ተሓላቕን ዋናን ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ኣሕዋትና ምዃኖምሲ ነብስና ባዕሉ ነጊሩና ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ድማ ኢና ኩልና ብውሽጥና ብፍርሂ ዝተወሪርና፡፡ ስለምንታይ ኢትዮጵያውያን ተባሂሎም ናይ ቀረባ እዋናት ዝኽርን ተመኩሮን ግርም ገይሩ ምሂሩና ኢዩ፡፡ ስለምንታይ ኣብዝሓ ካብኦም ኤርትራውያን ክንሶም ኢትዮጵያውያን ተባሂሎም? ብሓቂኸ ከምቲ ጉጅለ ዲዕሽ ዝበሎ እዞም ሰማእቲ ኢትዮጵያውን ድዮም? ንእሽቶ ኣጸቢቐ ዝፈልጦ ሓቂ ወስ ከብለልኩም፡፡

ናይቶም ካብ መቕዘፍቲ ግብጻውያን በደዊን እንተስ ኣካሎም ጎዲሎም ገለ ድማ ንስክላ ድሒኖም ናብ ኢትዮጵያ ብመገዲ ዶክተር ኣልጋነሽ ጋንዲ ዝኣተዉ፡ ካብ እስርቤታት ግብጺ ክወጹ እንተ ኾይኖም ኢትዮጵያውያን ኢና ክብሉ ጥራይ ኢያ ሓንቲ ዕድሎም፡፡ ኣይኮነን ኣብቲ እስርቤት መጻወቲ ወተሃደራት ግብጺ ኮይንካ ምትራፍ ኢያ፡፡ ወይ ድማ ኤርትራዊ እየ ኢልካ ናብ መጻወድያ ህግደፍ ምእታው ኢዩ፡፡ ናብ ኤርትራ ተመሊስካ ምእታው ግን፡ ልዕሊ 95 ሚእታዊት ካብቲ ዝተሓዝ ኣይመርጾን ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ኢዩ ድማ ካብ ምድረበዳ ሲናይ ንስክላ ዝደሓኑ ኣስታት ሓሙሽተ ሺሕ ኤርትራያን መናእሰያት ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ገግዚኡ ዝኣተዉ፡፡ ፍጹም ዘደንጽወካ ነገር እንተሃልዩ፡ ብዙሓት ካብቶም ንሞት ርእዮማ ዝተመልሱ መንእሰያት፡ ተመሊሶም ምስ ሞት ክፋጠጡ ነቲ ኣስካሕካሒ ፈታኒ ግዕዞ ክደግምዎ ክትርኢ ኢዩ፡፡ ብዙሓት ነቲ ህይወት ዝጠልብ ንጸላኢኻ እውን ዘይትምነየሉ፡ ቀቢጸ ተስፋዊ ውሳነ ደጊሞም ክወስድዎ ርእየ እየ፡፡ ብወተደራት ግብጺ ይኹን ልብያ እንተ ተታሒዝካ፡ ኢትዮጵያዊ እየ ትብል መዋጽኦ ድማ፡ ቀዳመይቲ መልሲ ኢያ፡፡ እዞም ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕርን ኣብ በረኻታት ልብያን ብስም ኢትዮጵያውያን ኣመንቲ እምነት ክርስትና ሰማእትነት ዝኮኑ ኣሕዋትና እውን፡ ካብዚ ቀዲመ ዘቐመጥክዎ ዝተፈለየ ነገር ኣይክህልዎምን ኢዩ፡፡ ሓደኳ ተታሒዙ ናብ ህግደፍ ክምለስ ዝደሊ ስለ ዘየለ፡፡

ሰንበት 19 ሚያዝያ 2015 ዳግማይ ትንሰኤ መዓልቲ፡ እቲ ነብሰ ስጋኻ ዝቐፍፍ ናይ ቪድዮ ትርኢት፡ ኣብ ህዝባዊ መራኸቢ ብዙሓን ተዘርጊሑ፡፡ ክሳድ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን መናእሰያት፡ ብስሕለት ካራሩ ሰይጣውንቲ ዲዕሽ (isis) ክጉያሕ፡ ዘርኢ ምስሊ ተፈንዩ፡፡ ኤርትራውያን ተጨውዮም፡ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም፡ ናውቲ ኣካላቶም ተወሲዱ፡ ተቐቲሎም፡ ተዓሚጸን፡ ተዘሪፎም ……ዝብል ዜና እዚ ሎሚ ሎሚ ተለሚዱን ተራ ነገር ኮይኑን ኢዩ፡፡ እቲ ምንታይ ህይወት ኤርትራዊ ሓሲሩ፡ ዋናን ተሐላቕን ስኢኑ፡፡ ፍጻመ 19 ሚያዝያ ግን ኣብ ኩልና ስንባደን ድንጋጸን ምጥርጣርን ፈጢሩ፡፡ ንገለ ገለ ድማ ካብ ሚሒር ጭካኔኡስ ዓባስ ገይሩ ኣርሚምዎʼዩ፡፡ እቲ ብእዝንና ዝተላመድናዮ ድምጺ ስቅያት ወገናትና ብዓይንና ክንርእዮ ኣየኽኣለናን፡፡ ሞት ቅትለት ኣብ ጎደቦኻ፡ ኣብ ጎረቤትካ ክእወ ክትሰምዖን ኣብ ቤትካ ኣትዩ ክምንጥለልካን ይፈላለ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ እቲ ዝረኣናዮ ኣሰቃቒ ኣቀታትላ ወገናትና ካብ ቤትና የርሕቆ ብምባል እናተፈለጠና ንነብስና ክንቅሽሻ ኢና ድንዕ ድንዕ ኢልና፡፡ የግዳስ ኣሰቃቒ ኣቀታትላ ጉጅለ ዲዒሽ ንዓናን ንጎረቤትናን ብሓደʼዩ ተሳሂሉና፡፡ ሞት ሓደ ይኹን ክልተ ምረቱ ማዕረ ኢዩ፡፡ ሞት ሞት ኢዩ፡፡ እንተኾነ እቲ ህልቂት ናብ መን ይዘጥጥ እንተ ኢልና ግን፡ ሓደን ክልተን ከይበልና ናባና!!!!

መን የርድእ ዝቐበረ መንከ ይንገር ዝወዓለ ኢዩ፡፡ ውጻእ መዓት ናይቲ ኣሰቃቒ ፍጻመ፡ ወዲ ዓሰርተው ሹዱሽተ ዓመት ትሕቲ ዕድመ ኤርትራዊ ናኤል ጎይትኦም፡ ነቲ ዘንተእለት ካብ ኣእምርኡ ዘይሕከኽ ኣስካሕካሒ ፍጻመ፡ የማነ ጸጋም ብዘየጋላብጥ ሓቂ፡ ኣብዝሓ እቶም ግዳያት ኤርትራውያን ምዃኖም ቃለ ምስክርነቱ ሂቡ ኣሎ፡፡ ዋላኳ ከምቲ ቀዲመ ዝበልኩዎ ውሽጥና እቲ ሓቂ እናፈለጦ ንነብስና ከነደናግራ እንተፈተና፡ ደም ንጹሃት ኣሕዋትናን መተዓብይናን ንሕና ኤርትራውያን ኢና ክብል ብዓውታ ከቃልሕ ንሰምዖ ኣለና፡፡ ድሮ እውን ናይ ልዕሊ ደርዘን ካብዞም ሰማእቲ፡ መንነቶም ብዝግባእ ተረጋጊጹስ ምስሎምን ዓዶምን ብምስናይ፡ ኣብ ህዝባውያን መራኸቢ ብዙሓን መዓልታዊ ቁጽሪ እናወሰኸ ክልጠፍ ንዕዘቦ ኣለና፡፡ ክሰብ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ስለ ዘለኹ፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ካብቶም ግዳያት ብንጹር ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ተረጋጊጹ ቤተሰቦም ተረዲኦም፡ ካብቲ ውጻእ መዓት ዝኾነ ትሕቲ ዕድመ ናኤል ጎይትኦም ዝገለጾ፡ ስድሪ እውን ፍልለይ የብሉን፡፡ እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ውሉዳቶም ግዳያት ዲዕሽ ምዃኖም ዝተረድኡ ቤተሰብ ቁጽሮም ካብ ሸሞንተ ንላዕሊ ኣይኮነን፡፡ ብመሰረት ቃለ ምስክርነት ውጻእ መዓት ናኤል ጎይትኦም ድማ፡ ካብቶም ልዕሊ ሰማንያ ብጉጅለ ዲዒሽ ዝተጨውዩ እንትርፎ ሸሞንተ ኢትዮጵያውያን ካልኦት ኩሎም ኤርትራውያን ምዃኖም ኢዮም፡፡ ካብቶም ልዕሊ ሰማንያ ብዲዕሽ ዝተጨወዩ ንጹሃን ሰለማውያን ዜጋታት፡ ድሮ ኣርብዓን ሸውዓተን ሰባት ብኣሰቃቒ ኣቀታትላ ህይወቶም ከም ዝሓለፈን ከም ዝተቐትሉን ኢዩ ዝፍለጥ፡፡ በዚ መሰረት ካብቶም ግዳያት ሰላሳን ትሽዓተን ኤርትራውያን ክኾኑ እንከለዉ ሸሞንተ ድማ ኢትዮጵያውያን ኢዮም፡፡ እቶም ዝተረፉ ኣስታት ፍርቂ ወገናትና ካብዚ ቀታሊ ጉጅለ ዲዕሽ ብህይወት ክተርፉ ኢዮም ኢልካ ምሕሳብ ውን እንድዒ…?

እቲ ሓቂ እዚʼዩ፡፡ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ብመሰረት ቀታሊ ጉጅለ ዲዕሽ (isis) ዝፈነዎ ጭካነን ኣረመንንትን ዝተላበሰ መግለጺኡ፡ ኢትያጵያውያን ስለ ዝተባህለ ጥራይ፡ ኣዝዩ ከቢድ ክትገልጾ ውን ዘሸግር ናይ ሓዘን ድባብ ክሳብ ሕጂ ብዓይንና ንርእዮ ኣለና፡፡ በቲ ዘጋጠመ ኣስካሕካሒ ፍጻመ መላእ ኢትዮጵያዊ ኣብ ከቢድ ሓዘን ኣትዩ ይርከብ፡፡ ሓዘንን ጓህን ዘለዓዓሎ ሕራነ መስቀል ኣደባባይ ኣዲስ ኣበባ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ህዝቢ ብሓደ ድምጺ ቁጣዔኡን ኩኔንኡን ከስምዕ ርኢናዮ፡፡ ቁጠዐን ሕራነን ኢትዮጵያውያን ብዘገርም ቅልጣፈ ኣብ መላእ ሃገር ተላቢዑ፡ መላእ ኢትዮጵያ ማዕበላዊ ሰለማዊ ሰልፍታት ቀንዩ፡፡ ብደረጃ ሃገር ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሃገራዊ ናይ ሓዘን መዓልታት ተኣዊጁ፡፡ ኩሎም ምእመናን ጸሎተ ፍትሓት ኣካይዶም፡፡ ክሳብ ሕጂ ድማ ብሕጋዊ መንገዲ ክረኣይ እንከሎ፡ ኩሎም እቶም ግዳያት ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ኢዩ ማሕበረሰብ ዓለም ፈሊጡን ተገንዚቡን ዘሎ፡፡ ዘሕዝን ጥራይ ዘይኮነ ድግዲጊት ተዓጢቕካ ኡይይይይ ዝበሃሎ ጽዩፍ ተግባርʼዩ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ወገነይ ዝፍጸም ዘሎ ክሕደት፡፡ ይወእዪ ዋና ዝሰኣነ ኤርትራዊ ወገነይ ኤርትራውነቱ እውን ተኻሒዱ!!!

ብዙሓት ኤርትራውያን ስድራቤታት ብጭቡጥ ውሉዳቶም ናይዚ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ግዳያት ምዃኖም ተረዲኦም፡ ኣብ ከቢድ ሓዘን እናሃለዉ፡ ብጥፍኣት ኤርትራውያን መናእሰያት ቅጭጭ ዘይብሎ ህግደፍ፡ አሽንካይ ንቤተሰብ ግዳያት ሕሰም ረኺብኩም ኢሉ ከጸናንዕ፡ ብተገላቢጦሽ ኣብ ጓይላን ዳንኬራን ክጽመድ ኢዩ ተራእዩ፡፡ እቶም ገለ ከም ብዘበነ ውበ ዝጸመሙ ሕሉፋት ደገፍቱን፡ ልዕሊ ህይወት ገንዘብ ዝዓጀቦም ደም ኣልቦ ስነጥበባውያን እውን፡ ከላህዩን ክለሃዩን ተራእዮም፡፡ ተደራራቢ ሞትን ህልቂትን ኣርባዕተ ሚእቲ ወገናትና ባሕርን ዲዒሽን ክዘራረዩልና ድምብርጽ ኣይበሎምን፡፡ ቃላት ቀሺ ሙሴ ሲሳይ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ኣብ ኣእምሮይ ኣቃሊሑ፡፡ ”ንሕና ቀተልቲ ሰብ ኢና! ንሕና ሓዘንን ዳንኬራን ዝተሐዋወሰና ህዝቢ ኢና! ንሕና ሬሳና ሓቢእና ንስዕስዕ ንድብል ህዝቢ ኢና!” ኣይተጋገኻን ቀሺ ሙሴ ሲሳይ፡፡ ይዋእዩ ዋናን ኣላይን ዝሰኣነ ህዝቢ ኤርትራ!!! እግዚኣብሄር ባዕሉ መዓቱ የቑርረልና፡፡

ኩሎም ግዳያት መንግስተ ሰማይ የዋርሶም፡፡ ንቤተሰቦም ጽንዓት ይሃቦም ኣሜን!!

ሚካኤል እምባየ (ኣራንቺ)
[email protected]

ናይ ሞት ይጽናሕ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ!

ናይ ሞት ይጽናሕ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ!
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/
30 ሚያዝያ 2015
1ይ ክፋል

ብድሕሪ ስርሒት ተርግእ ቢሻ፡ መመርገጺኻ ኣፍልጥ ኢዩ ኮይኑ ቀንዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻሜ ምምጽኡ’ውን ሻነ’ዩ። ቅድሚ ሕጂ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝተበየነ ኣህጉራዊ እገዳ፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኣለና ካብ ዝብሉ ኤርትራውያን ብዙሕ ፈያር ርእይቶታት ሰሚዕና ኢና። “… ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ እገዳ ክግበር የብሉን! ብእገዳ ህዝብና ክህሰ’ዩ” ኢሎም ተማጒቶም ኢዮም። ነቲ መራሒ ህግደፍ ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ፣ “…ኣብዚ ሃገር እኽሊ ምሻጥ ክልኩል ኢዩ። ብሑቕ’ውን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክንቀሳቐስ የብሉን።” ኢሉ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝኣወጆ ግሁድ እገዳ ረሲዖሞ ያኢ።

ያኣኽዋንና! እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ኣይጸላእናዮን። ምኽንያቱ ነዊሕ ጉዕዞ ከይከድና እንከለና፡ ብኣግኡ ነናትና ኣረኣእያታት ምንጻሩ ግሩም ስለዝኾነ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ህግደፍ ዝረኸቦ ሓደ ረብሓ ኣሎ።፡ እቲ ሃራሚ፡ ኣሳሪን ረሻኒን ተዛራባይ ትግርኛ ብምዃኑ ጥራይ። እቲ ፍልልይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ማርያም ግንቢ ኣስመራ፣ ናብ ሰፈር ኣዛብእ ዒራዒሮ ምቕያሩ ጥራይ ኢዩ። ስለዚ መግዛእቲ ጨካን ኢሳይያስ ካብ ዘበነ ሃይለ ስላሴን ግዝኣት ደርግን ብምንታይ ኢዩ ዝፍለ? እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ሓደገኛ፡ ነዛ ሃገር ከኣ ናብ ሃው ዝበለ ጸድፊ ዝኸተታ ስርዓት፡ ኣብ ዘሕምሞ መትኒ እንተተሃርመ ስለምንታይ ኢዮም ሰባት ሕግብግብ ኢሎም።

ኣብ ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያት ዘለና ኣረኣእያ’ውን ካብዚ ንኣሽቱ ተርእዮ ኢዩ ዝብገስ። ብድሕሪ ፍጻሜ ተርግእ ቢሻ፡ ቅልጽም ህግደፍ እናተዘብጠን ጎማ ኢሳይያስ መስማር ከም ዝኣተዎ እናነፈሰን፡ “ምትእትታው ኢድ ወያነ” ብዝብል ምኽንያት ናይ ደገፍቲን ተቓወምቲን ሓባራዊ ቁዘማ ክንሰምዕ ቀኒና ኢና።

ሰባት ነናቶም ኣረኣእያ ክህልዎም ሰናይ ኢዩ። ክንድዝኾነ ከኣ፡ እዚ ናተይ ናጻ ርእይቶ ምዃኑ ከብርህ እደሊ። እቶም ቢሻ ትካል ህግደፍ ክህረም የብሉን ዝብሉ ዝነበሩ ድማ፡ ሕጂ ንኢሳይያስ ናብ እንዳ ጎሚስታ ወሲዶም የንፍሕዎ።

ኣብ ልዕሊ ሃገርና ኤርትራ ቀጥታዊ ይኹን ብኢድ ኣዙር ወራር ናይ ዝኾነት ሃገር ኩኑን ኢዩ። ብዛዕባ ጉዳይናን ህሉው ዛዕባናን ክንዛረብ እንተኾይንና ግን፡ ንኢሳይያስ ዘህጥርን ዘጉስዕን ዘሎ ወርቂ ቢሻ ኢዩ። ስለዚ ንሱን ስርዓቱን ንሓዋሩ ክብንቆሱ፡ እቲ ዘጉስዖም ዘሎ ትካላት እውን ብዘይ ንሕስያ ክዓኑ ይግባእ። ኢሳይያስ ብድጋፍ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን ክሳብ ሎሚ ጸኒሑ። ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣቐዲሙ ኣኻዕቢትዎ ብዝነበረ ሕቡእ ዶላራት፡ ብ2% ካብ ዜጋታት ዝኣከቦ ገንዘብን ኣብ መወዳእታ ድማ ወርቂ ስለዝረኸበን ጥራይ ኢዩ ብሂወቱን ኣብ ስልጣንን ዘሎ።

ወርቂ እንተዘይረክብ፡ ወይ እቲ እንዳ ወርቂ ዝኾነ እንተሊ /ጉድጓድ/ ብኣግኡ እንተዝህረም፣ ጥፍኣት ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ ኣምበይምኾነን። ስርዓት ህግደፍ ስለዝሃጠረ፡ መንእሰያትና ግዳይ ሲናይን ባሕሪን ምዃኖም ጥራይ ከይኣክል፡ ሎሚ ድማ ግዳይ ግብረ ሽበራውያን ኣይሲስ /ISIS/ ኮይኖም ክሳውዶም ተሓሪዶም ኣለዉ። ጅምላዊ ሞትን መቕዘፍትን 300-400 ኤርትራውያን’ውን ከም ልሙድ ፍጻሜ እናኾነ ይኸይድ ኣሎ። ኢሳይያስ ኣብ 1973 ዓ.ም. ተኣልዩ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ኣብቲ ተጋደልቲ ዝገበርዎ ናይ 1993 ኣድማ ተቐፊዱ እንተዝነብር፣ ወይ ኣብ 2001 እቲ ዝጀመረ ህዝባዊ ነውጺ ገሊፍዎ እንተዝኸውን፣ ወይ’ውን ኣብ 2013 ብስርሒት ፎርቶ መኸተ ጅግና ወዲ ዓሊ እንተዝኽምበል ነይሩ፤ ሎሚ ኣብ ከመይ ዝበለ ደረጃ’ኮን ምሃሎና? ኢልና ንሕሰብ። ኢሳይያስ ክእለ እንተተደልዩ፡ እቲ ኣብ ሰራውር ደሙ ዝተተኽለ ኢንፍዩዥን ክብተኽ ጥራይ ኢዩ ዘለዎ። ንሱ ከኣ ኢንፍዩዥን ወርቂ ቢሻ ኢዩ።

ናይ ሞት ይጽናሕ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ ከም ዝበሃል፡ ትማሊ ቢሻ ተሃሪሙ ኢልካ ምቑዛም’ምበኣር ጣቋ ዘለዎ ዘረባ ኣይኮነን። ትካላት ኢሳይያስ ክህረም የብሉን ምባል፡ ብካልእ ኣዘራርባ፣ ኢሳይያስ ኣብ ስልጣን ይጽናሕ ከም ማለት እየ ዝቖጽሮ። ዝገርመኒ ኣረኣእያታት እውን ኣሎ፣ “…ኢሳይያስ ሎሚ እንተተኣልዩ፡ እዛ ሃገር እዚኣ ከም ሶማል ክትበታተን ኢያ። ስለዚ ከም ሃገር ጠሚሩዋ ዘሎ ንሱ ጥራይ ስለዝኾነ ክጸንሕ ይሓይሽ” ዝብሉ ወግዓውያን ተቓወምቲ ምህላዎም ኢዩ። ነቲ ‘ንከይንሰማማዕ ተሰማሚዕና’ ዝበልዎ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ኣዘኻኺሩኒ።

እዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግበር ዘሎ ሕቡእ ጉስጢ፡ ዘዘለካ ቁስሊ ምጉዳእ ወይ ምጉጥጣይ ይበሃል። ሰባብ ስርዓት ህግደፍ ናብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዝነበረን ዘሎን ግሁድ ምዕግርጋርን ጉስጢን ከም ቅዱስ ተግባራት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግብረ መልሲ ምሃባ ግን ዘይቅዱስ ተግባር ኢዩ ምባል፣ ፍትሓዊ መርገጺ ኣይኮነን። ፍትሒ መታን ክንረክብሲ፡ ኣብ ዝኾነ ሃገራዊን ኣህጉራዊን ጉዳያት ፍትሓውያን ምዃን፣ ወይ ፍትሓዊ መርገጺ ምውሳድ የድልየና ኣሎ። ኢሳይያስ ንከይህረም ዘሎካ ሕቡእ ኣጀንዳ ኣወንዚፍካ፡ “ምትእትታው ወያነ” ብዝብል ምስምስ፡ ልዕሊ ሃገራውያን ሃገራዊ ክትከውን ምድላይ ግን ኣይግድን።

ብቅንያቱ፡ ኣሸበሸብ ቢሻ ተደብዲባ ኢሎም ‘ኣይትሓዙና’ ክብሉ ዝተሰምዑ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝርከቡ ዜጋታት ምርኣይ፣ ንመደንጾ ኢዩ ኮይኑኒ። ናይ ሞት ይጽናሕ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ ዝተባህለ ከኣ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ተርእዮ ምስ ተረኽበ ኢዩ። ኣብ ሕብረተሰብና ሞት ከቢድ ክነሱ፡ ልዕሊ ሕልፈት ስለዘይቆጽሮ ኢዩ ‘ናይ ሕልፈት ይበኸ’ ዝብል መረዳእታ ዝመርጽ።

ሎሚ ኤርትራ እዛ ምድረ ሰማእታት ኣቐዲማ ሞይታስ ምግናዝ ኢዩ ተሪፉዋ ዘሎ። ብዛዕባ ሞታ ምጸንሐ’ሞ ብዛዕባ ሕልፈታ ክብከ ምተገብአ። ‘ንስኽን ዝሞትክን ዓሚ ሰነ፡ ኣነ ዝሰማዕኩ ሎሚ ቅነ’ ከም ዝበሎ ጥፉእ መላቐሲ፡ ኤርትራ ምስ ኢሳይያስ ምስ ተላፈነት ሞይታ ክነሳ፡ ዘይፈለጡ ነይሮምሲ፡ ብድሕሪ ስርሒት ቢሻ ኣልቂሶምላ።

ብልክዕ ንኤርትራ ክብከያ እንተኾይኑ፡ ኢሳይያስ ኣብ ብ1998 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ባድመ ብደም መንእሰያት ጸወታ ክጅምር እንከሎ ኢዩ። ብሰበብ ዝወልዖ ኲናት ባድመ እውን፡ ኤርትራ ልዕሊ 44 ሽሕ መንእሰያት ከሲራ ኢያ። ኢሳይያስ፡ ንደም ኤርትራውያን ከም ደመ-ከልቢ ስለዝቆጾሮ፡ ኣብ ኲናት 1998-2000 ዓ.ም. “…ኣስታት 19 ሽሕ ተሰዊኦምና” ክብል ኣላጊጹ ኢዩ። ንኤርትራ ሽዑ’ውን ክብከየላ ነይሩዎ። ሽዑ ኣብ ጋዜጣ ‘ሓዳስ ኤርትራ’ ኣንስቲ ስዉኣትን ደቀንን ብዛዕባ ውርሻ ዝርኢ ምልክታ ንከይወጽእ ብወግዒ ደው ኢሉ ነይሩ ኢዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ መመዓልቲ ክወጽእ ዝጀመረ ምልክታታት፡ ንብዝሒ ስዉኣት ባድመ ከየቃልዕ ስለዝተባህለ። ንህዝቢ ኤርትራ ሽዑ’ውን “…ወድነይ!” ብምባል ክብከየሉ ምተገብአ።

ኢሳይያስ፡ መዓስ ኢዩ ውጹእ ውልቀ-ምልካዊ ምዃን ኣግሂዱዎ፡ ብትኽክል ዕለትን ወርሒን’ኳ እንተዘይተገልጸ፣ ካብ ሜዳ ገቢሉ ንናጽነት ከም ዝኣተወ ግን ምንም ጥርጥር የለን። ነዛ ሓላል መሬት፡ ሽዑ’ውን ክብከየላ ምተገብአ።

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!