“ዱባ ብገርሁ፡ ናይ መሰለስ ኮነ!”

“ዱባ ብገርሁ፡ ናይ መሰለስ ኮነ!”
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/
ዓርቢ 3 ሚያዝያ 2015

ኣብ ኤርትራ ኣብ ብሂል ሕብረተሰብ ትግርኛ ብዛዕባ ዱባ ብዙሕ ኢዩ ዚዝረብ። ዱባ ልቢ ዘይብሉ ገልጣም፡ ዘጓንፎ ከይፈለጠ፡ ንቕድሚኡ እናኣሳፍሐ ዝኸይድ ተኽሊ ኢዩ ይብልዎ። ጸብሒ ዱባን ልቢ ዓሻን ሓደ ከኣ ኢሎም ይውስኽዎ። ካብቲ ዝተዘርኦ ግራት ዋና፡ እናኣሳፍሐ ናብ ግራት ጎረቤት ይኣቱ’ሞ፡ ደሓር ፍርያቱ ንፍርቂ ወይ ንመሰለስ ንክኸውን ይግደድ ማለቶም ኢዩ።

ንዳሕረዎት ወለዶና ንምርዳእ፣ መሰለስ ኣብ ኣተረጓጉማ ቋንቋ ትግርኛ፡ ንምክፍፋል ንብረት ዝምልከት ኮይኑ፡ ከም ፈረቓ ወይ ርባዕ ሓደ ሲሶ ማለት ኢዩ። ግርም ልቦና ዝመልኦ ቋንቋ’ኮ ኣሎና ኢዩ። ‘ዱባ ብገርሁ ናይ መሰለስ ኮነ’ ናብ ፖለቲካዊ መኹባዕቲ ክኣቱን ክጽሞቕን እንከሎ ድማ፡ ከምዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና መንገዲ ኢሳይያስን እቶም ብፍላጥ፡ ብዘይፍላጥን ንከንቱ ፖለቲካዊ ሃልኪን ዝቀዳደሙ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብ ዲያስፖራ ኢዩ ዝምልከት።

መንግስቱ ሃይለማርያም፡ እቲ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ን17 ዓመታት ዝገዝአ ኢትዮጵያዊ መራሒ፡ ወላ’ኳ ንተዛማዲ ዕላማ ይኹን’ምበር፡ ”ኤርትራ ኣትሸጥም ኣትለወጥም!” ኢዩ ነይሩ ጭርሖኡ። “ትርፍ ካለ ለምን ኣትሸጥም” ክብል ሓደ ውራጌ መሊሱሉ ነይሩ ይበሃል ኢዩ። መንግስቱ፡ ክሳብ መወዳእታ ኣብታ ዝኣመነላ ዕላማ ጸኒዑ ነበረ። ኣብ ጉዳይ ባድመ፡ መንግስቱ’ውን ብገለ ጋዜጠኛታት ተሓቲቱ ነይሩ ይበሃል። “ባድመ ናይ ኤርትራ መሬት ድያ ወይስ ናይ ኢትዮጵያ?” ኢሎም ድማ ሓተትዎ። እቲ ንጋዜጠኛታት ዘገረመ መልሲ ከኣ፣ “ባድመ ናይ ኤርትራ መሬት ኢያ” ኢሉ ምምላሱ ነበረ። “መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ባድመ ናይ ኢትዮጵያ ኢያ ኢሉ እናተማጎተስ፡ ከመይ ገርካ ኢኻ ንስኻ ናይ ኤርትራ ኢያ ኢልካያ?” ክብሉ’ውን ሕቶ ደገምዎ። “መልሰይ ልክዕ’ዩ! ኤርትራ’ውን እኮ ናይ ኢትዮጵያ ኢያ” ክብል ደጊሙ ከም ዝመለሰሎም ሰሚዐ ነይረ።

እዞም ክልተ ውሉፋት ደም፡ ንኤርትራ ብከመይ ኢዮም ዝርእዩዋ? ግርም! ኣብዚ እነሀኻ ወግዒ። እቲ ትማሊ ክንዲ ሰማይን መሬትን ርሕቀት ዝመስል ዝነበረ ኣረኣእያታት መንግስቱን ኢሳይያስን፡ ሎሚ ግን መድረኽ ምስ ተገማጠለን ጥጅእ “ትግራይ ትግርኚ” ክጽሞቕ ምስ ተቓረበን፤ ሓደ ኣረኣእያ ሒዞም እነሀዉ። ኢሳይያስ ቅድሚ ናጽነት ምስ ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ ኣብ ናቕፋ ዝገበሮ ቃለ-ምልልስ፡ ሎሚ ቅነ’ውን ምስ ጋዜጠኛ “እሳት” /መሳይ መኮነን/ ዝገበሮ ዝርርብ፤ ኣግሂዱ ነቲ ልዕሊ 100 ሽሕ ሂወት መንእሰያት ኤርትራውያን ዝወሰደ ናጽነት፡ ናብ ዕዳጋ የውርዶ ከም ዘሎ ዳሕዲሕዎ ኣሎ። እዚ ክሕደት ንሰማእታትን ንዕቀት ህዝቢን ዝመበገሲኡ ኣሽካዕላል እዚ፡ ሎሚ ዝተጀመረ ኣይኮነን።

እቲ ጸሊም መንግስቱ፡ መልክዑ፡ ዕላምኡን ተግባሩን ግሁድ ሰብ ኢዩ ዝነበረ። እዚ ቀይሕ ዘይተጋህደ መንግስቱ ደኣ እንታይ ኢዩ ቁንቁኝኡ ሃገር ንክሸይጥ ዝደናደን ዘሎ? እዚ ኤርትራዊ መሰል፡ ከም ተኹላ ናብ ማእከል ኣባጊዕ፣ ናብ ውሽጥና ኣትዩ ዝጎዛዘየና፡ ብልክዕ ግን ንጣብ ኤርትራዊ ደም ዘይብሉን ብናጽነት ኤርትራ ዝተጣዕሰን ጨካን ኢሳይያስ፡ ኤርትራ ንምሻጥ ዝኣለሞ ሪኪያሞ መመሊሱ ይበርሃልና ኣሎ። ንሱ፡ ካብ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኤርትራ ንምሻጥ፡ ካብ ብሕሹኽታ ብጋህዲ፡ ከም ባቡር ዓርበ-ረቡዕ ብብርቱዕ ጥሩምባ ይነግር ነይሩ ኢዩ። እሞ ከምቲ ዱባ ብገርሁ፡ ኣንቱም ንጥፍኣት እተዳኽሩ ዘለኹም፡ ናይ መሰለስ ንክትኮኑ ኢኹም ትቆጻጸዩ ዘለኹም’ሞ፡ ኣይፋልኩምን! ቅድሚ መሸጣ ተመለሱ ደኣ።

ኢሳይያስን እቶም ውሑዳት ኣገልገልቱን ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ታሪኽ መጻእቲ ወለዶታት ብዝኾነ ይኹን ቃላት ይቕረ ዘይበሃሎ ገበናት ኢዮም ዝፍጽሙ ዘለዉ። ነዛ ምድረ ሰማእታት ሃገርና፡ ነዛ ብደም ኣስላምን ክርስትያንን ዝተተኽለት ኤርትራ ናበይ ኢዩ ክወስዳ ዝደናደን ዘሎ እዚ ሰታይ ደም? ጉጅለ 15 ኣርካናታ ናብ ዒራዒሮ ኣሲሩን ቀንጺሉን፡ መንእሰያታ ኣባሪሩ፡ ንታሪኻን ኩሉ ክብሪታታን ኣሕሲሩ፡ ንመልክዕ ሃገር ደዊኑ፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብቀሊል ዘይሓዊ ጽልኢን ቅርሕንቲን ኣኻዕቢቱ፡ ወርቂ ቢሻን ሃገራዊ ሃብቲን ናብ ባንክታት ስዊዝን ቻይናን ሓቢኡ፡ ኣባይታ ብዶዘራት ኣዕንዩ ናበይ ንምብጻሕ ኢዩ ክንድዚ ዕብዳን። እቶም ልቢ ኣልቦ ዱባታት ገና የሳፍሑ ምህላዎም ንምርግጋጽ ድማ፡ ከም ጠበቕ ቀትሪ፡ ውጥም ቅልቅል ይብል ኣሎ። ክዕንቅፍዎ ኢሉ ንዝገመቶም፡ ኣቐዲሙ እናቀንጸሎም ክመጽእ ጸኒሑ ኢዩ። ሎሚ’ውን ገለ ተረፍ-መረፍ ቀሪም ንዝተረፉ ደቀባት ኤርትራ፣ እንተ ብሃንደበታዊ ሕማም እንተስ ብምኽንያት ሓደጋ የረኻኽበሎም ኣሎ። ኢሳይያስ ክልተ ፍሉያት ባህርያት ኣለዎኦ። ሓደ ንባህርያትን ውሽጣዊ ስምዒታትን ሰባት ብቅልጡፍ ናይ ምልላይ ተኽእሎ፣ እቲ ካልኣይ ከኣ፡ ንዝወሰኖ ውሳኔ፡ ቅልጡፍን ዘየላቡን ስጉምቲ ምውሳድ። ኢሳይያስ፡ ንዘስግእዎ ሰባት ፈጺሙ ዘይንዕቕ መርዛም ኮብራ ኢዩ።

እወ ’ሰብ ናብ ሰቡ፡ ዝብኢ ናብ ገረቡ’ ኢዩ’ኮ! ኣብ ዘመነ ገድሊ ኣይመስለናን ነይሩ። ብዛዕባ ትውልዲ እውን ሓሲብናሉ ኣይንፈልጥን ኢና። ብዛዕባ ትውልዲ ንከይንዛረብ፡ ‘ኣፍና ኣፍ ላም ትኹን’ ኢልና ስለዝመሓልና፤ ክንዛረበሉ’ውን ኣይምደለናን። ንሱ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ፍተሻ ትውልዲ ካብ ተተሓሓዞ ደኣ’ሞ ከመይ ጌርና ብጥንታዊ ማሕላ ኣፍና ክንዓብስ? ሓቂ ኢዩ! ብዙሓት ደቂ ትግራይ ስለ ኤርትራ፣ ከምኡ’ውን ብዙሓት ደቂ ኤርትራ ስለ ትግራይ ተሰዊኦም ኢዮም። ወላ’ኳ ሎሚ ሰባት ንታሪኽ በብዝጥዕሞም ኣገባብ ይጠውይዎ እንተሃለዉ፡ ኣጸቢቕና እንፈልጦን ዝተዋሳእናሉን ብደም ክልቲኡ ህዝቢታት ዝተፈረመ ስንክሳር ግን ኣብ ግምጃ ታሪኽ ኣሎ። ኢሳይያስ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስኑ ነኺስዎ ዝነበረ ሕንሕነ፡ ሎሚ ‘በብሓደ ሰብ ወሓደ’ ምስ ኮነ፡ ኣብ ውሽጢ ከብዱ ንዝነበረ ረስኒ ኢዩ ዘውጽኦ ዘሎ።

ኣንቱም ሰባት! ሕሩመይ ኢለ… ብዘይ ፍትወትና፡ ብዛዕባ ትውልዲ ንክንዛረብ ተገዲድና። ዓዲ፡ ወረዳን ኣውራጃን’ኮ ክብረት ኢዩ። ርእሰ ምትእምማን ‘ዝመበጊሲኡ፡ መን ኣበይ ኢዩ ዓዱ፡ ኣበይ ኢዩ መረብ ቤቱ፡ ብእንዳ እኑኡ’ኸ? ንሳ’ኸ ኣበይ ኢያ ትውለድ? ዝብል ምስጢር ውሽጠ ውሽጢ ኣስተውዒልናሉ’ውን ኣይነበርናን። ኢሳይያስ፡ ኣፈወርቂ፡ ኣብራሃ፡ ሓጎስ፡ ማሩ፡ ካሳ፡ ጉግሳ ወ.ዘ.ተ… ንዕኡ ኢዩ ዝምልከት። ብትኽክል ንዝርእዮ ከኣ፡ ወለዶኻ ክብረትካ ኢዩ።

ሎሚ’ውን መንነት ብትውልዲን ብፍቓድን ጸኒዑ ይንበር። ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ብሰላም ሓቢሮም ክነብሩ ኢና ንደሊ። ኢሳይያስ ግን ካብ ኣሰላልፍኡ ኣትሒዙ ርእሰ ምትእምማን ኣይነበሮን። ካብ ዝነበሮን ዘለዎን ናይ መንነት ቅልውላው ተበጊሱ’ውን ንኤርትራ ብትግሃት ተወፍዩ ኣይፈልጥን ኢዩ። ሓደ ብ “ይብሉኒ ኣለዉ” ዝብል ባዕላውነት ዝሓመመ ሰብ ድማ፡ መድሃኒት ኣይርከቦን ኢዩ። ኢሳይያስ ኣብ ሜዳ ናይ ስም ኣደ ኦርኒኩ፡ ኣብ ክንዲ “ኣዳነሽ ኪዳነ” “ኣድሓነት ኪዳነ” ኢሉ ኣመዝጊቡዎ ነበረ። እዚ’ኸ ካብ ምንታይ ዝተበገሰ’ኾን ይኸውን? ብዙሓት ተጋደልቲ ኣደታቶም “ኢትዮጵያ”፣ ንባዕላቶም ወይ ስም ኣቦታቶም እውን ተፈሪ፡ ሃይለስላሴ፡ ምነሊክ፡ ወ.ዘ.ተ…ዝብል ነበረ። ብምኽንያት ስክፍታ ከኣ፡ ስሙ፡ ስም ኣዲኡ ወይ ስም ኣቦ ዝቐየረ ተጋዳላይ ኣይሰማዕናን።

ንሱ ብናትና ኣረኣእያ ዘይኮነስ፡ ብናቱ ኣተሓሳስብኡ “ኤርትራዊ ኣይኮንኩን” ዝብል ውሽጣዊ ቅልውላው ስለዝነበሮን ዘለዎን፡ ብዋጋ ኤርትራ ንምቁማር ዝቀራረብ ዘሎ። ስለዚ በቲ ኣብ ደሙን ኣንጉዑን ዝሰረጸ ባዕላዊ ስምዒታት፡ ኤርትራ እንተጠፍአት ምንም ድምብርጽ ዝብሎ ሰብ ኣይኮነን። ዕርቡን ንመግዛእቲ ክኾኑዎ’ኳ ኢዩ ነዞም ዓሰርተታት ኣሽሓት ”ደምህት” ኣብ ጎይቢ ኣደታትና ንዝነበረ ጠስሚ እናመገበ፡ ደቂ ውሻጠ ገይሩዎም ዘሎ። ብሎኮታትና ይቆጻጸሩ፡ ይገፉን ይኣስሩን፣ ይምርምሩን ንደቀባት ይርሽኑን ኣለዉ።

ኢሳይያስ፡ ነቶም ቅጫ ኣደታቶም’ኳ ዘይጸገቡ ደቂ ውሻጠ ዝነበሩ ኤርትራውያን መንእሰያትን ቆልዑትን ድማ፡ ብመኾስተር የባርሮም ኣሎ። እዚ ሓቂ’ዚ ዘይወሓጠሉ ዜጋ፡ ጽባሕ ንገዛእ ርእሱ ከም ዱባ ናይ መሰለስ ምስ ኮነ ክበርሃሉ ምዃኑ ርግጸኛ እየ። እሂ! እታ ሓቀኛ መስትያት ንመልክዕ ኢሳይያስ ብንጹር ስለዝገለጸቶስ ሕርኽርኽ’ዶ ኢሉኩም ገለ ገለ ዱባታት? ወዲ ዓድና፡ ወዲ ጸሎት’ዩ፡ ወዲ ሓማሴን’ዶ፡ ክርስትያናይ’ዶ፡ ዳዊት ዘንብብ’ዶ ይመስለኩም ነይሩ ኣንቱም ዱባታት?

ኢሳይያስ ብዛዕባ ኤርትራ ኣብ ተለቪዥን ዘቑጸልጸለ ሓሶትን ባዶሽ መብጽዓታትን ን24 ዓመታት ተዛሪቡ። ወቀጥ መስተንክር’ዩ! ድራም ኣይሓሱ!! ወግሐ-ጸብሐ፡ ከምቲ ንቆልዓ “ዝብኢ መጸካ!” እናበልካ ተሰንብዶ፣ ኣብ ረድዮን ተለቪዥንን ህግደፍ ድማ፡ ”ወያነ መጸት…ክትወረኩም ኢያ…ኣሜሪካ ክትደግመኩም’ያ” ይባሃለለይ፡ መስታህብል! ንባዕሉ ኣብ ቆርበት ኤርትራውያን ዝሰፈረ ቁርዲድ ክነሱ፣ ሸውዓተ ቀመማት ፖለቲካ ንክኾኖ ያኢ፣ “…ጠፋእኩም ብወያነ” ክብል ዘሚሩ።

ወዳጄ መዝሙር!! ’ጸማም ሓደ ደርፉ’ ኣንቱም ሰባት፣ ወዲ ሰብ’ዶ ን17 ዓመታት /1998-2015/ ብሓንቲ ላልማየ-ላሎ ይስዕስዕ’ዩ! ብግብሪ መንገዲ ኢሳይያስ ከኣ ጉዕዞ ንዕዳጋ ኤርትራ ኢዩ። ስለዚ እቲ ኩሉ ተካል መጋብር፡ ኤርትር ንምሻጥ ኢዩ። እዚ ናይቲ ካብ 1942 ክሳብ 1952 ብግዜ መግዛእቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ተምሳል ትኽክለኛ ቅዳሕ ኢዩ። መራሕቲ ሃይማኖት “ካብ ሓጥያት ርሓቑ” ኢሎም ኢዮም ዝነግሩ። ሰባት ግን ነናቶም ምርጫ ኢዮም ዝወስዱ። ንሕና ከኣ ብዛዕባ መንገዲ ኢሳይያስ ንነግር ኔርናን ሕጂ’ውን ኣብዚ ዘመነ ምዕናው ኣባይቲ ገና ንነግር ኣለና። እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ፡ ሕልና ዘልዎ ከኣ ነብሱ ይሕከኽ።

ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደገርጊስ ”…ነዛ ሃገር እዚኣ ባዕለይ እየ ኣምጺአያ፡ ባዕለይ ከኣ ከጥፍኣ’የ” ኢሉ ጽሒፍዎ ዘሎ፡ ኢሳይያስ ከኣ ንኩላቶም እቶም ንኤርትራ ዘምጽኡዋ ደቀባት ምስ ዳጎነን ቀንጸለን፤ ሃገር ናብ ዕዳጋ ብጨረታ ንምሻጥ ይቀራረብ ኣሎ። ”ዱባ ብገርሁ ናይ መሰለስ ኮነ” ከም ዝበሃል፡ ጽባሕ መሬትኩም ብስቡሑ፡ ባሕርኹም ምስ ላህመቱ፡ ኣንስትኹም ምስ ስልማተን፡ ኣዋልድኩም ምስ ወለብአን፡ ነብስኹም’ውን ኣብ ገዛእ ዓደቦኹም፡ ካልኣይ ዜጋ ክትኮኑ ኢኹም።

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

ስርሒት ዓብደረቦ!

ስርሒት ዓብደረቦ!

ቀደምʼዪ! ብዙሕ እኳ ኣይዝከረንን፡፡ ኣብ ገዛባንዳ ጥልያን ጎደና ማርኮኒ ከባቢ መስጊድ ኢዩ፡፡ ኣብ ገዛ ናይ ሓደ ዓርከቦይ ዓብደረቦ ኣትይዎም ክባሃል እሰምዕ ነይረ፡፡ ዓብደረቦ እንታይʼዩ..? ከመይ ከመይ ከ ይገብር..? ብዙሕ ኣፍልጦ ኣይነበረንን፡፡ ብሓቂ ድማ ንእሽቶ፡ ትሕቲ ዓሰርተ ዓመት ዝዕድሚኡ፡ ከመዛዝን ዘይክእል ህጻን እየ ነይረ፡፡ ግን ከኣ እቲ ዝዝረብ፡ ዝበሃል፡ ዝውረ ዝነበረ ኣይርሰዓንን፡፡ ከምቲ ብነኣሽቱና እንከለና፡ ዝንገረና መፍረሒ ዓይነት ጽውጽዋይ ኮይኑ ይስመዓኒ፡፡ ንብረት ገዛ ዝተንከፎ ዘይብሉ ባዕሉ የንቀጥቅጥ፡ ጸኒሑ ይወድቕ ይሰባበር፡፡ ቢኬሪ ቡሽ መስተይ ሻሂ ኣብ ኢድካ ሒዝካዮ ከለኻ ዝተንከፈካ ዘይብልካ ወዲቑ ሸዋሕዋሕ ይብል ይሕምሸሽ፡፡ መኣዲ ክትበልዕ ቅርብ ምስ ኣበልካዮ ባዕሉ ቁልቁል ዝኣፉ ግልብጥ ይብል ይድፋእ፡፡ በዚ መጸ ዘይበልካዮ ኣይሂ ደናጉላ ሓነግነግ የብለካ፡፡ ግን ከኣ ዝገርም ደም ዝበሃል ኣይትፈስስን ኣይትሓብጥን እውን፡፡ እቲ ዘረባ እቲ ዝበሃል ብዙሕ ብዙሕ ኢዩ፡፡ ተግባራት ዓብደረቦ ተኣምራት ኢዩ፡፡ ክዓልብ እምበር ክስንዶ ብፍጸም ኣይትርእዮን፡፡ ስራይ ዓይነት ኢዩ፡፡ መን ይፈልጥ ዓብደረቦ ሓወን ወይ ውን ወዲ ሓወቦአን ንደቂ ሕድርትና ክኸውን ይኽእልʼዩ፡፡

ነገር ዓብደረቦ ደሓር ምስ ዓበኹ ካብ ቤትምህርቲ ሰውራ ናብ ገድሊ፡ ካብ ገድሊ ነጻነት ኮይኑ ዳግማይ ናብቲ ዝዓበኹሉ ሕብረተ-ሰብ ምስ ተጸንበርኩ እየ ብዝግባእ ፈሊጠዮ፡፡ እንተኾነ ንሓንቲ ካልኢት እውን ትኹን እቲ ገና ንእሽቶ እንከለኹ ዝሰምዖ ዝነበርኩ መፍርሒ ተግባራት ዓብደረቦ ጎኒፉንን ብዓይነይ ርእየን ኣይፈልጥን እየ፡፡ እቲ ብዛዕባ ዓብደረቦ ዝበሃል ሓቅነት ኣለዎዶ ወይስ ጽወጽዋይ ዝዓይነቱ ፈጠራዊ መፍርሒ ፊልም ኢዩ እንድዒ፡፡ ነገር ዓብደረቦ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ድዩ…? ኣብዛ ንነብረላ ዓለም ከምቲ ንዓርከቦይ ዘጋጠሞም ኣብ ኣመሪካ፡ ኤውሮጳ፡ ቻይና፡ ሲንጋፖር ከ ኣጋጢሙʼዶ ይፈልጥ ይኸውን ንተመራመርቲ እቲ ዓውዲ ክገድፈሎም፡፡ እቲ ንዓርከቦይ ዕረፍትን ቅሳነትን ከሊኡ ካብ ቤቱ ዝፈናቐሎ ዓብደረቦ ዝሓለፈ ሰሙን ከም ገለ ዘኪረዮ፡፡ ስርዓት ህግደፍ እንታይ ዘየዘኻኽር፡፡ ነቲ ሰለስተ ዓሰርተ ድፍን ዓመታት ዘሕለፈ ናይ ህጻንነተይ ዝኽሪ ኣዘኻኺሩኒ፡፡ ክላእ ግደፈና ናትካ ግዳ ናይ ትማሊ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ናይ ዘበነ እኒ እኒ ሕምባሻ ከሎ እምኒ ንዘበነ ውበ፡ ዘበነ ቱርኪ፡ ዘበነ ጥልያን፡ ዘበነ ዓፋኝ፡ ዘበነ ኩቦን፡ ዘበነ ይለፍ፡ ዘበነ ተፍትሽን ርጂላን ቀርዒዶን ከማን ኣዘኻኺሩና ኣሎ፡፡

እህህህህ……..
ገሌኹም ድማ ኣየ ኣራንቺ አብኣ ኣላትካ፡፡ ካብ መአስ ኢኻ ብዛዕባ ዓብደረቦን ዓንደረቦን ዝጸሓፍካ፡፡ ነዚ ጎሮርኡ ተሓኒቑ ኣፉ ዝለኸተ ምእዋይ ዝሰኣነ ሕሉቕ ዝበኸተ ስርዓት ድኣ ክትሳሃሎ ደሊኻ እምበር ከም ትብሉኒ ኣይሰሓትኩን፡፡ ኣይተጋገኹምን! የግዳስ እቲ ገና ህጻን እንከለኹ ክዕለለሉ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ዓብደረቦ ባዕሉ ተሳሂልዎ ኣሎ፡፡ ዝሓለፈ ዓርቢ 20 መጋቢት 2015 ዓብደረቦ ኣብ መዓደኒ ወርቂ ቢሻን ኤምዳድ ኣጽዋርን ተተኮስትን እንዳ ኣሜሪካ ማይ ዕዳጋን ወጋሕታ ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን ተራእዩ፡፡ ካብቲ ኣነ ንእሽቶ እንከለኹ ክዕለለሉ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ዓብደረቦ ግን ዝተፈለየ ኢዩ፡፡ ብወተሃደራዊ ተዕሊም ዝሰልጠነ ዝታኾስ ዘመናዊ ዓብደረቦ ኢዩ፡፡ ከከከከከ ስሓቕ!

ዓብደረቦ ንመዓደኒ ውርቂ ቢሻን ኤምዳድ ኣጽዋርን ተተኮስትን እንዳ ኣሜሪካን ነቲ ከባቢ ብዘናወጸ ከቢድ ድምጺ ቡምባታት ተሳሂልዎ፡፡ እንድዒ ኸ ዓብደረቦ ይሰብር፡ የውድቕ፡ ደም ብዘይ የውጽእን ዘየሕብጥን ደናጉላ ይፋጋእን እምበር፡ ቡምባ ይድርብን ፈንጂ የጻውድን ባርዕ ይፈጥርን የንድድን ዝብል ንእሽቶ ከለኹ ኣይሰማዕኩን ኣነ፡፡ ንኺድʼዶ…ህግደፋውያን..? ንኺድ …ክሳብ ጠቕሊልና ንጸድፍ!

ዝገርም ክስተት ኢዩ፡፡ ህዝቢ ብዓይኑ እናረኣዮን እቲ ዘናውጽ ብርቱዕ ድምጺ ብእዝኑ እናሰመዖን ተተልቲሉ ንላዕሊ ዝዓርግ ብርቱዕ ቃጸሎን ትክን እንዳተዓዘበ፡ ካብ ሚሒር ምሕማሙ ክሳብ ትድንዝዝ ተደሲቕካን ተሰሊቕካን ክንስኻ ኣፍካ ዓቢስካ ጥርቅም ድኣ እንታʼዩ እቲ ሚስጢር…? ዓብደረቦ እንተ ተዛሪብካሉን ያዕ ያዕ ኢልካ እንተ ኣእዊኻሉን ይደግም ይደጋግም ኢዩ ዝብል ስግኣትʼዶ ንህግደፍ ኣፉ ከም ዝልክት ገይርዎ ይኸውን….? እንድዒ፡፡ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ስርሒት ዓብደረቦ፡ ንስርዓት ህግደፍ ብልክዕ ኣብቲ ዘሕምሞ ኣካሉ ከሲኡ፡ ዓባስ ከም ዝኸውን ዝገበረቶ ብርትዕቲ ማሕጎማ ኢያ፡፡ ኣሜሪካን ወያነን ሓምሻይ መስርዕን እቲ ኣብ መልሓስ ህግደፍ ንዓመታት ዝተሰቑረ ስቑሬን፡ ዘይከም ትማሊ ንእለቱ እኮ ጠሚሙ፡፡ እዚ ኣሽንካይʼዶ ተደሲቑ ከይተደሰቐ እውን ብኻዕቦ ሓሶቱን ምድንጋራቱን ዝልለ በዓል ወረቐት ስርዓት ህግደፍ ሎሚ ስለምንታይ ስቕ ጥዑም ምስ መኽደኑ መሪጹ….?

ብጣዕሚ ዝገርም ኢዩ፡፡ ከም ነገር ፈሊጡ ዝደቀሰስ ነውኒውካዮ ነይሰምዕ ኢዩ፡፡ እዚ ውዱቕ ስርዓት ንድስቒት ዓብደረቦ ከም ደም ኩርምቲ ንውሽጢ ክውሕጦን ክሰትሮን ኢዩ መሪጹ ዘሎ፡፡ ኤእ ዓሻ ድዩ ህግደፍ ዕደ፡፡ ሎሚ ከም ዓምን ቅድሚ ዓምን ከም ዘይኮነ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ፡፡ ንዝወደቐ ገረብ ሓኽሊ ይበዝሖ ዝብል ምስላ ኣቦዋት ከመይ ቢሉ ክጠፍኦ፡፡ ከምቲ ቅድሚ ዓሰርተው ሸውዓተ ዓመታት፡ ተወረርካ ምስ ተባህለ፡ ህዝቢ ግንባሩ ክህብ ናብ ግንባራት ዝወፈረ፡ ሎሚ ዓንደረቦ ኣብ መዐደኒ ወርቂ ቢሻ ደሲቑና፡ ተመለሊሱ ኣብ መኸዘኒ ኣጽዋር እንዳ ኣሜሪካ ማይ ዕዳጋ ሰሊቑና እንተ ኢሉ፡ ህዝቢ ምሳሩ ሒዙ ናብ ግንባራት ዘይኮነ፡ ገጹ ገልቢጡ ናብ ቤተ መንግስቲ ግብን ማእከላይ ቤ/ጽ ህግደፍ ካምፖፖሎን ከም ዘቕንዕ ኣይጠፍኦን ኢዩ፡፡ ኤእ ጨቆቕ ኢሉ ዘጥረዮ ገዛውቱ ተደናጊሩ ናተይ ብዝበሎ ስርዓት ብዶዞርን ግሬደርን ከፍርሰሉን ዓነውነው ከብለሉን ብዓይኑ ዝረኣየ ህዝቢ፡ ቂምትኡን ጽልኡን ግዜ ኢዩ ዝጽበየሉ ዘሎ፡፡ ስለዚ ምርጫ ህግደፍ መ መልሲ የለን ኢልካ ነገራት ዓቢስካ ስቕ ኢያ ተዋጽኦም፡፡

ኣብ መጠረሽታ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ስርሒት ዓብደረቦ ክብል ንኹሉ ኩዱን በኣፈ ስላሴ ሓሊፈዮ ኣለኹ፡፡ የግዳስ ሰብ ዝፈልጦ ድቓላ ሓኒቕክን ኣይትቕተላ ዝበሃል እውን ኣሎ፡፡ ኣብ ዝቕጽል ጽሑፈይ ብዛዕባ እዚ ኣብ 20 መጋቢት 2015 ዘጋጠመ ደቒቕን ዝርዝራውን ሓበሬታ ከስዕበልኩም እየ፡፡

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)
Aranchi03@yahoo.com

መልቐስ፡ ድሓን ኩን ተጋዳላይ ተስፋማርያም ወልደማርያም

መልቐስ

ድሓን ኩን ተጋዳላይ
ተስፋማርያም ወልደማርያም
ሓልፊ ክፍሊ ዜና ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
ዝነበረ።

ወየኣነ!!!! ወየኣነ!!! ወየኣነ!!!!
ኣንታ እንታይ ተረኽበ ሎሚቕነ!!!!
ኣንታ እንታይ ተረኽበ ሎሚቕነ!!!!!
ኣንታ እንታይ ተረኽበ ሎሚቅነ!!!

ኣትላንታ መጺኤ! ሓወይ ክስኢነ!!!!
ዋይ ኣነ!! ዋይ ኣነ!!! ዋይ ኣነ!!!!

ሃገሩ ንኸደሕን ብጊሓቱ ዝኣመነ
ለባም ጂግና ህዝቡ ክምህር ዝወጠነ
ቀርኒ ናይ ሱሱዓት ብልዝብ ዘምክነ
ኣንታ ዛሃገርና ዘይኮነላ ለባም ክሳኣነ
ትኸል ንቐል ኮይኑ ወርሒ ሰነ።

እዚ ሓውይ ኣነ ክበኽየሉ፡
ነዚ ሓወይ ኣነ ከልቅሰሉ
ነቲ ታሪኹ ባዕለይ ክነግረሉ
ወግዒ ዓድቡኡ ጎደሎ ዘይብሉ።

ተስፋማርያም
ወዲ ቐሺ ወልደማርያም
ወዲ ምህረይ ክፍሉ
ከም ሓኸለ ዝውለድ ኣብ ኩሉ
ቆላኡ ደጋ ከም ብተይ ዝዘለሉ
አየ!! ተማሃራይ ከሎ ከምሕረሉ
መጻሕፍቲ ሳንጣ ተኾልዅሉ
ሽዋ ንኽማሃር ማዕጾ ተኸፍተሉ።

ወየ!!!!ወየ!!!!!ወየ!!!!!
እዋን ኮለጅ ኮይኑ ምስ ከደ ንሽዋ
ቆላታት ኤርትራ ዘመተ በርቲዕዋ
ሃገር ተዓመጸት ዘረፋ በዚሑዋ
ፍትሒ ተሳኢኑ ናብራ ሓሲሙዋ
ሕጊ ተጣሒሱ ደብዳብ ከቢዱዋ
ባርካ ተሰዲዶም ዶብ!! ሱዳን ጥሓሱዋ
ተስፋይ ምስ ብጾቱ ኣስመራ ተመልሰዋ
ሽግር ናይ ህዝብና ንመንእሰይ ከምህርዋ
ብድኻምኩም!!!
ኣጓብዝ ሃገርና ንበረኻ ወረሩዋ።

ወየ!!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!!!
እዚ ሓወይ ተጋዳላይ ፋኖ!!!!!
ለምለም ሰውሒ ሻኻ ብዘይ መስኖ
ትምህርቱ ጸጊብካ ዘይምኖ
ብጥዑም ቃላቱ ንህዝቢ ዘእምኖ
ዓቢ ደብሪ ፍልጠት ዝምዘኖ
ንዓማጺ ብክእልት የድንኖ
ሙያኻ ይነገር ንህዝቢ ክኾኖ
ጅግነነት ሃገርና ጻማ ዝተሳእኖ
ሓቁ ይነገር፡ ይዘርጋሕ!!ይፈኖ!!!
ወዲ ሀገር ተደፍረ መሬቱ ምስ ሰኣኖ
ጭዋ ተዋረደ መሰሉ ምስ ሰኣኖ
ዘይፈለጠ ይፍልጡ ኣብ መዓልቲ ተፋኖ።

ወየ!!!ወየ!!!!!!ወየ!!!!!!!!!
ተስፋማርያም ቆልዓ ዓዲዃላ
ወዲ ማይላፎ!! ማይ ጻዕዳ ብኹላ
ኣደከመ ምልጋእ ኣብ ማእከላ
እምባ ሶይራ ምስ ጞላጙል ዓላ
ጋሽ ሰቲት ባርካ ታሕታይ ላዕላ
ሓማሴን ዓንሰባ ከረን ምስ ሓሸላ
ሳሕል ሰምሃር ደንከል ቖላ
ኣፈ ጉባኤ ገድሊ ወሓለ ብዓል ሜላ
ኣብ ኩሉ ዝሓድር ኣፈላላይ ዘይብላ።

ወየ!!!ወየ!!!ወየ!!!!
ኣንታ ተጋዳልይ ኣብ ባይቶ ሞጋቲ
ሕጊ ንዘኽብር ትለዝቦ ከም ሰቲ
ንብዓል ነገርካ ተብሎ ፍቲፍቲ
ንሕንጊድ፡ ብቐለምን ብርዒን ዘማቲ
ወለድኻ ምስ ሰብ ሮማ መላዝብቲ
ሊቃውንቲ ነይሮም ንሃገር መጽለልቲ
ዝጸንሔ እዩ ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ
ማህደር ሊቃውንቲ ኣርሒቑ ጠማቲ።

ወየ!!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!
ተስፋማርያም ዝቃለስ ኣብ ኩሉ
ኣንታ ዘእምሮኻ ንመን ገደፍካሉ
ትምኒትካ ኣይኮነን ኣብ ስደት ክትህሉ
ግዜ ኣይጠዓመን ዓድኻ ትነብረሉ
ተዘሚቱ ሃገር ብብዓል ተዃሉ
ወስለትለት በዚሑ ጭዋ ዝሓፍረሉ
ቆፎ ሃገር ተዝምርመር ብኹሉ
ተባዕ ተሳኢኑ ንፍትሒ ዝሕሉ
ለባማት በሪሶም ከማኻ ዝበሉ።

ጂግና ሓወይ ኣንታ ዓይኒ ቓላይ
ተስፋይ ለይለይ ኣንታ መዓቢይተይ
መምህረይዶ! ክብለካ መራሒ መገደይ
ዓርከይዶ ክብለካ መዛልልተይ
ወዲ ዓደይ ኢኻ! መርየት መማቕልተይ
ወዲ ሓወቦይ እባ! መማጉተይ።
ወየ!!!!!ወየ!!!!!!ወየ!!!!!!

ኣንታ ሓወይ እምብዛ ተዘንጊዕካ
ተትምርምር እኮ! ብዙሕ ነይሩ ሰብካ
ዓለም ብገፊሑ! ንዓኻ ክጸበካ
ዓንዲ ማእከል ከልኻስ ተገሊልካ
ሽግርካ ከይነገርካ ዓለም ኣርኪቡካ።

ወየ!!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!
ቤተ ሰብ ዝኾንኩም ኣጸቢቕኩም ንብዑ
መንእሰይ ሃገርይ ደጋጊምኩም ንብዑ
ኣዋልድ ኣወዳት ልቢ ገርኩም ንብዑ
ዳዕሮ ናይ ሃገርናስ!! ደም ነጒዑ
ቀራናት!! ሃገርና ምስ ተሰልዑ
ለባማት ጠፊኦም ከተርቲ ክሰርዑ
ሃገርና ተረፈት ኣብ ቆላዑ።

መናእሰይ ሃገርና መርምርዎ ቃሉ
ቃልሲ ሃገርና ከመይሉ ማዕቢሉ
ዝተጠልመ ሕድሪ ኣብ ዓዲ ክተኽሉ
ፍትሒ ምስ ዘነብ ኣብ ዓለም ዓልሉ።

ኪድ በል ንኹሉ ኣርኪብካሉ
ኣምላኽ ጸዊዑካ ሰዓትካ ኣኺሉ
ሽደን ሓወይ እዚ ጥዑም ቃሉ
ኣምላኽ ይቀበልካ ኣብ ጽላሉ።

ጽንዓት ይሃብኩም ንስድራ ቤትን
መቓልስቱን ብኹሉ።

 

 

haile-gt-indianaብሓውካን መቓልስትኻን
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘቢሄረ ሰርየ!
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
2 ማዝያ 2015