ዜና ዕረፍቲ

 ዜና ዕረፍቲ
                                    ረድኢ መሓሪ /ኣለና/    27-03-2014  

         ሰብ ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ጋሻ እምበር ነባሪ ኣይኮነን። ብካልእ ኣበሃህላ፡ ዓለም ገዛ ክራይ ኢያ ይበሃል ኢዩ። ሓቂ ኢዩ! ወዲ ሰብ ካብዛ ዓለም ቅድሚ ምፍናዉ ግን ኣብ ጉዕዞ ሂወቱ እንታይ ኣበርኪቱ ዝብል ሕቶ ኣሎ። ቀጺሉ እውን ሓድጊ ገዲፉ ዶ ይበሃል ኢዩ። ከም ስዉእ ኣሕመድ ወርቃዊ ታሪኽ ዝነበሮም ኣብ ዘዕርፍሉ ግዜ ከኣ፡ ሓበን እምበር ብኽያት ኣይመድለየን።

       መስዋእቲ ክቡር ተቓላሳይ ኣሕመድ ናስር  ዕለት 26 መጋቢት 2014 ሰሚዕና። ናብቲ ዝተበገሰሉ ዕላማ ቅድሚ ምብጽሑ ብምስዉኡ ከኣ ጉሂናን ሓዚንናን። ተጋዳላይ ኣሕመድ ናስር ሙሉእ ዕድመኡ ንናጽነትን ሓርነትን ህዝቡን ሃገሩን ዝተቓለሰ ሓርበኛ ኢዩ። ኣብ ታሪኽ ኤርትራውያን ከም ኣሕመድ ናስር ሙሉእ ሂወቶም ንቃልሲ ዝወፈዩ ዜጋታት ውሑዳት ኢዮም። ንታሪኹን መዝገብ መንገዱን ዝቕይሮ ሰብ ድማ የለን።

        ምስ ክቡር ተጋዳላይ ኣሕመድ፡ ንክራኸብን ብዛዕባ ጉዳይ መንገድና ንክዘራረብን ብዙሕ ሃረርታ ነይሩኒ ኢዩ። ክልተ ግዜ ብስልኪ ከም ዝተራኸብና እዝክር። ደሓር ድማ ኣብቲ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ዝተገብረ ናይ መንእሰያት ዋዕላ፣ ብኣካል ተራኺብናን ብዛዕባ ሃገራዊ ጉዳይና እውን ተመያይጥና ኔርና ኢና። ስዉእ ኣሕመድ ኣዝዩ ምቕሉልን ዘይሕለል ኤርትራዊ ከም ዝነበረን እምስክር።

       ሰብ ኣብ ዓለም ነባሪ ኣይኮነን፡ ግን ከም ኣሕመድ ናስር ዝኣመሰሉ ገዳይም ተቓለስቲ ስለ እቲ ዝተጋደሉሉ ዕላማ፡ ፍረ ጻዕሮም ክርእዩን ሞሳ ክቕበሉን ምተገብአ። ሎሚ ውን ከም ኣሕመድ ዝኣመሰሉን ዝኣመሰልናን ካብታ ንሙሉእ ሂወትና ዝተቓለስናላን እንፈትዋን ክብርቲ ኤርትራ ርሒቕና ከይንስዋእን ኣብ ዘይንፈልጦ ሓመድ ከይንቕበርን ካብ ኣውራጃን ሃይማኖትን ከምኡ እውን ውድባዊን ሰልፋዊን ፍልልያትና ኣወጊድና ብሓደ ንክንሰርሕ  ግዜ የዘኻኽረና ኣሎ።

       ክቡር ተጋዳላይ ኣሕመድ ናስር በቲ ዝነበሮ ናይ ቃልሲ ጉዕዞ፡ ንገዛእ ርእሱ ቤተ መዘክር እምበር ውልቀ-ሰብ ጥራይ ኣይነበረን። ስለዚ ከም ኣሕመድ ናስር ዝኣመሰሉ ዜጋታትና ኣብ ዘዕርፉሉ ግዜ፡ እቲ ታሪኽ ቃልሲ ንናጽነትን ሓርነትን ምስኣቶም ከይቅበር፡ ኩላቶም ጸሓፍቲን ናይ ታሪኽ ተመራመርቲን ክስንድዎ ይግባእ።

       ንኣሕመድ ናስር መንግስተ ሰማያት የዋርሶ፣ መቓብሩ ይለምልም! ኣሰሩ ይጥለል!!
               ንስድራ ቤቱን ኩላቶም መቓልስቱን ድማ ረቢ ጽንዓት ይሃቦም።

 

 

 

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.