ቅሉዕን ምስጢራውን ዜናታት ደንበ ህግደፍ
ቅሉዕን ምስጢራውን ዜናታት ደንበ ህግደፍ
ምንጭታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)
ኣብ መንጎ ገባቲ ስርዓት ህግደፍን ራሻይዳን እናማዕበለ ዝመጸ ዘይምቅዳው ንምፍታሕ፡ ካብ ራሻይዳ ሽኩርያ ዘተባህሉ ቀቢላ መንጎኝነት ክኾኑ ዝተላእኩ፡ ብ17 የካቲት 2014 ምስ ሜጀር ጀነራል ተኽለ ማንጆስ ርኽብ ምክያዶም ተሓቢሩ። እቲ ርኽብ ንልዕሊ ሰሙን ዝኸውን ምውሳዱ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ግርጭታት ኣብ ምእላይ ብዘለዎ ጸረ ደሞክራስያዊ ባህሪ፡ ኣዳህሊሉ ነቶም ቀንዲ ባእታታት ናይቲ ጎንጺ ዝበሃሉ ሒዙን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሰዊሩን ንህዝቢ ከም መፈራርሒ ክጥቐመሉ እንተዘይኮይኑ፡ ነቲ ምስ ራሻይዳ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምቕዳው ብሰላማዊ መንገዲ ንምእላይ፡ ፖሎቲካዊ ብቕዓትን ድልውነትን ዘይብሉ ምዃኑ ተገሊጹ።
ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብስም ኣብ ግድብ ኣባይ መጥቓዕቲ ምፍጻም ብዝብል ንተቓወምቲ ኢትዮጵያ ንምውፋርን ንምዕጣቕን ምስ ግብጺ ዝምድናታቱ የጠናክር ምህላዉ ተገሊጹ። ብካልእ መዳይ’ውን ካብ ስዑድያ ግዝያዊ ረብሓታትን ወተሃደራዊ ኣጽዋራትን ንምርካብ ጽዑቕ ጻዕርታት ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን፡ ምስ ኢራን ዘለዎ ዝምድናታት ንምብታኽ ተጽዕኖታት ይገብረሉ ኣሎ። ይኹን ደኣንበር ምስ ኢራንን ሩስያን ፖሎቲካዊ ረብሓታቱ ንምጽናዕ ጸደፍደፍ ይብል ምህላዉ ተሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚኒስትሪ ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ምስ ፖሎቲካዊ ሓላፊ ህግደፍ የማነ ገብረኣብ፡ ንሩስያ ዑደት ምክያዶምን ምስ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ናይቲ ሃገር ምዝርራቦምን ይፍለጥ። ዑደት መራሕቲ ህግደፍ ጀረናል ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ግብጺ ኣብ ሩስያ ዑደት ብድሕሪ ምክያዱ ንሰሙኑ ዝተገብረ ምዃኑ ተረጋጊጹ።
ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ካብ ግብጺ ዝመጸ ሓድሽ ኣጽዋር ንምልላይን ዝለዓለ ወተሃደራዊ ታዕሊም ንምውሳድን ብ16 የካቲት 2014 ኣብ ከባቢ ሳሕል ታዕሊም ምጅማሮም ተሓቢሩ። ካብ ተቓውምቲ ኢትዮጵያ እቶም ታዕሊም ዝጀመሩ፡ ኣብቲ ከባቢ ግድብ ኣባይ ዝተወልዱን ምስ ቦታ ጽቡቕ ሌላ ዘለዎን ተመሪጾም ዝተወስዱ ምዃኖም ተረጋጊጹ። ምስ ሃገራት ኣዕራብ ዝምድና ንምፍጣርን ምስ ኤርትራ ዝግበር ስራሓትን ንምውህሃድን ሓላፍነት ዝወሰደ ካብ ትካል ጸጥታ ግብጺ ሜጀር ጀነራል ሓትም ባሻን ክበሃል ከሎ፡ ኣጽዋር ሒዙ ንኤርትራ ዝኣተወ ሜጀር ጀረናል ካልድ ኣሕመድ ሳሚ ምዃኑ፡ ጉዳይ ታዕሊም ተቓውምቲ ኢትዮጵያ ንምክያድ ዝተመዘዘ፡ ኣብ ጸጥታ ስርዓት መሓመድ ጃዕፈር ንሜሪ ብደረጃ ሜጀር ዝነበረ፡ ብድሕሪ ውድቀት ናይቲ ስርዓት ኣብ ግብጺ ተዓቒቡ ዝጸንሐ ሱዳናዊ ምዃኑ ተገሊጹ።
ካብ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ኣባላት ደምህት ልዕሊ 20 ዝኾኑ ብኮረኔል ወዲ ሓድጉ ዝተባህለ ሃሱስ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ተመሪሖም ብ22 የካቲት 2014 ንዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘራኽብ ስሉሳዊ ኩርናዕ ኣብ ፍሉይ ከባቢ ሹቕ ክትር ዝተባህለ ቦታ ምንቅስቓሶም ተሓቢሩ። ሓደ ጉጀለ ካብኦም ንእምሓጀር ክምለስ ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ጉጅለ፡ ኣብ ሹቕ ክትር ዓስኪሩ ምህላዉ ድማ ተረጋግጹ። እዚ ጉጅለ’ዚ ነቲ ከባቢ ጽቡቕ ኣፍልጦ ብዘለዎ ሃሱስ ወዲ ሓድጉ ተመሪሑ ዝመጸ መጽናዕትን ዳህሳስን ንምግባር ምዃኑ ይግመት። ወዲ ሓድጉ ናይቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ገለ ካብ ተጋደልቲ ህ/ግንባር ቀቲሉ ኣብ ከባቢ ሑመራ ተሓቢኡ ዝነበረ፡ ብ1997 ንኣቦ-መንበር ደምሓኤ ነበር ተጋ/ገብረ-ብርሃን ዘርኤ ንምጭዋይ ምስ ዝተሓባበር፡ ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ምሕረት ክግበረሉ ብዝተዋህቦ መብጽዓ ምሉእ ምትሕብባር ክገብር ብድሕሪ ምርግጋጹ፡ ተግባራዊ ምስ ገበረ፡ ንኤርትራ ሰጊሩ ብዋጋ ናይ ዓስቡ መዓርግ ኮረኔል ዝተሸለመ ሃሱስ ምዃኑ ይፍለጥ።
ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን
ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)
18 መጋቢት 2014