ኣቶ ተስፋማርያም ወይ ኣቶ መሲና

ኣቶ ተስፋማርያም ወይ ኣቶ መሲና

ኣቐድም ኣቢለ ሰላምታይ የቕርበልካ፡ ኣስዕብ ኣቢለ ንዝጀመርካዮ ተገዳስነትን፡ ሓልዮትን፡ ብጉዳይ ቛንቛ ትግርኛ ከመስግነካ ይፈቱ። 
ድሕሪ ሓገርና መርየት ነጻ ምውጻኡ፡ ሓዳስ ኤርትራ ዝብል ጋዜጣ ምስጽሓፍ ጀመረ፡ እንተኾነ፡ “ከይ በቖለ ሓረረ “ ከም ዝብሃል፡ ቛንቛ ትግርኛ ናብ ምብራስ ገጹ ክኸይድ ርኣናዮ።

ቛንቛ ትግርኛ፡ ክፈርስ ዝጀመረ ግን “ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ” ካብ ዝምስረት ምኻኑ ንዝፈልጥ ይርድኦ እዩ። ብዝጀምርካዮ ኣጽኒዕካ ክትቅጽሎን፡ በብንኽእሎ ንምትሕብባር ግን፡ ናይ ኩሉ ዜጋ ግዴታ እዩ። ሓዳስ ኤርትራ ጋዜጣ ንባብ ካብ ዝገድፎ 1994 እዩ።

“ሃላኺ”  ዝብል ቃል ህግሓኤ፡ ኣብ ቦታኡዶ! ኣእትይዎ ይመስለካ? እቲ “ ሸመታ” ዝብልከ! ኣበይ ኮን ይኸውን ቦታኡ?

መልስኻ እናተጽበኹ እየ።

ደጊመ የምስግነካ ዝንኣድ ስራሕ ብምጅማርካ፡ ቛንቛ መንነት ሓደ ሕዝቢ እዩ። ወግዒ ኣነባብራኡ ዝገልጸሉ፡ ኣብ ሓጎስ ኮነ፡ ኣብ ጸገም፡ ዝነባበረሉ፡ ታሪኹን ባህሉን ዝዕቅበሉ፡ መስትያት መንነቱ ብቛንቛ እዩ ዝገልጸሉ።

ብሰላም የራኽበና
ሓውካ
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና

 

 

 

መልቀስ ንዶክቶር ምስጉን ተድላ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና ሰምየን ኣመሪካ

መልቀስ
ንዶክቶር ምስጉን ተድላ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
ሰምየን ኣመሪካ

ወየ ኣነ!!! ወየ ኣነ!!! ወየ ኣነ!!!
ኣንታ እንታይ ሰሚዔ ሎሚ ቕነ
 ስሙ ጥዑም ሃዋርያ ዘበነ
ጎይታ ይመስገን ኢሉ ዝደነነ
ሎምስ ዶክቶር  የሎን ድኣ ተሳእነ።
 
ዶክቶር ምስጉን ወድ ኣቦይ ተድላ
ሽማንጉስ ላዕላይ ዝዓድኻ ኣብ ማእከላ
ወዲ ካርነሽም ድምበዛን ብኹላ
ደቂተሽም ዓንሰባ ሓማሴን ብጠቕላላ
ወዲ ኤርትራ ዝተፈጥረ ኣብ ማእከላ።

ወየ ኣነ!!! ወየ ኣነ!!! ወየ ኣነ!!!!
ጎይታ ይመስገን ኢሉ ዝኸፍት ኣንደበቱ
ንኹሉ ዝስዕም ብኽልተ ምዕጉርቱ
ወዳጀ ኣእምሮ ወድጀ ትምህርቱ
 ምስ ኩሉ ኣፍልጦ ምስኮላይ ብልሓቱ
ብሓቂ ድዩ ኣብ ጉድጟድ ክኣቱ።

ዶክተር ሓወይ ኣንታ ጥዑም ቓሉ
ወንገል ንኽሰብኽ ንዓልም ኮሊሉ
ሓቂ ንፍቶ እናበዝምህር ክንደይ ተዓዲሉ
መጽሓፍ ወንጌል ኣብ ዝባኑ ተኾልዂሉ
ክሰብኽ ከሎ መንፈስ ቅዱስ ይዓስለሉ።

ወየ!!! ወየ!!! ወየ!!!!!
ዶክቶር ምስጉን እዚ  ፈታው ዓዱ
ሃገርይ እናበለ ይነብር ተሰዲዱ
ሰፊሕ ኣእምሮ ተሰኪሙ ይነበር ኣብ ዘዓዱ
እዚ ምቑር ቓሉ ንኸይምህር ተኣጊዱ
ክንደይ ነብሳት ምተማህረ ነይሩ በብዓዱ።

ዶክተር ሓወይ መስትያት ኩላትና
ክንደይ ሊቃውንቲ እኒሃ ኣብዝይ ሓዚና
ንሃገራ ኣማዕድያ  እናረኣየት ትበኪ ደኒና
ኣምላኽ የጸብቖ ቀልጢፉ ክርህወልና
ጥርጥር የልቦን ኩላትና ከርክበካ ኢና
ሽግር ህዝቢ ቀልጢፍካ ንገረልና።

ኣንታ እዚ ሰባኺ ብዙሕዶ!!! ሃጺጹ
ኣሕዋቱ ከጸናንዕ ንሱዳን ዝወጹ
ዓቕሊ ከየጽብቡ ብዙሕ ከይርበጹ
ሽግሮም ምስረኣየ ልቡ ተረቢጹ
ዓቕልዉን ስኣነ ሽግር ህዝቡ መጺጹ
መፍትሒ ደንጉዩዎ ነገራት ቀርጺጹ
ብኣካል ከይዱ ክነግሮ ንጎይታና ክርስቶስ መሪጹ።

ምስጉን ሓወይ ሓዋርያ ናይ ዘበና
በቲ  ሙኡዝ ቃላትካ እባ ምሃረና
ደሊኻ ዘይርከብ ቃል ምስጉን ሓውና
ኣብ ካርቱም ሱዳንድኣ! ንመን ሓዲግካልና
ስዒብካዮ ንሃዋርያ ማትዮስ ጀማሪ ስብከትና።

ዶክቶር ሃወይ ስዓቱ ኣኺሉ
ነቂሉዩ ተበጊሱ ርዖኡ ጠቓሊሉ
ወያ ክብርቲ መስቀሉ ተኽልዅሉ
ነፋንዎ ብሓባር ኩላትና ዓልልሉ
ኣምላኽ ይቀበልካ መላእኽቲ ኣኽእቲሉ።

ጽንዓት ይሃብ ንድራቤት ብሓባር ብኹሉ
ህዝቢ ኤርትራ  ንነብስኹም ብኸይሉ
ከምቲ ናቱ ንሓቂ ንፍትሒ ተኸተሉ
ሰላም ራህዋን ክወርደልና ተጠቓሊሉ።

ተኻፋሊ ሓዘን
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
2 መጋቢት 2014
ሰሜን ኣመሪካ