2 INVESTIGATES: Family searches for answers two years after mother’s arrest in Eritrea

2 INVESTIGATES: Family searches for answers two years after mother’s arrest in Eritrea

 

ቅሉዕን ምስጢራውን ዜናታት ደንበ ህግደፍ

ቅሉዕን ምስጢራውን ዜናታት ደንበ ህግደፍ

ምንጭታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

  1. ካብ ወርሒ የካቲት 2014 ንደሓር ዘሎ እዋን ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ዜጋታት ካብቲ ብ2013 ዝነበረ ብዕጽፊ እናወሰኸ ምምጽኡ፡ ኣብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት UNCHR የረጋግጹ። ኣብ ሰሙን ካብ 150 ክሳብ 200 ዝኾኑ፡ 86 ደቂ-ኣንስትዮን ዓበይቲ ዓድን ዘጠቓለለ ክኸውን ከሎ፡ 14 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ተረኸብቲ ሃገር ክኾኑ ዝኽእሉ መንእስያት ምዃኖም ይገልጹ። ብኢትዮጵያ’ውን ብተመሳሳሊ ናህሪ ስደት ካብቲ ዝነበሮ እናዛየደ ምምጽኡ ይሕበር። ኣብዚ ህሞት’ዚ ንዋሕዚ ስደት ክወስኽ ዘገደደ ምክንያት ከኣ፡ ገባቲ ኢሳይያስ ብ09 የካቲት 2014 ዘካየዶ ናይ ኣሽካዕላል ቃለ-መሕትት ምዃኑ ብርክት ዝበሉ ካብቶም ንስደት ዝውሕዙ ዘለው መንእስያት ይገልጹ። ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ምንጪ ኩሉ-መዳያዊ ጸገማት ኤርትራን ስደትን ኮይኑ፡ ህዝብን ሃገርን እናበተነ ከሎ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ሓለፍቲ ናይቲ መንግስቲ ብዘይተኣደነ ዶሎራት ኣብ ምስግጋር ደቂ-ሰባት ተዋፊሮም ከለዉ፡   ኢሳይያስ ብተደጋጋሚ ብጎረባብቲ ወይ ብሃገራት ምዕራብ ዝካየድ ዘሎ ሸርሕታት ኣምሲሉ ዝቕርቦ ፈተነታት ከንቱ ምዃኑ የረጋግጹ። ብካልእ መዳይ ድማ ንመንእስያት ብግለት፡ ሓተላ፡ ክልተ ጻሕሊ ዝለመዱ…………..ወዘተ ዝብል ናይ ጸለመ ኣስማትን ዘለፋታትን ክልጥፍ ብድሕሪ ምጽንሑ፡ ሕጂ’ውን ካብቲ ሕሉፍ ዘይእርኑብ ኣንደበቱ ፍጹም ከይተማህረ፡ እዚኣቶም ነቲ ብነጻ ዘምሃሮም ህዝብን መንግስትን ካሕሳ ከይከፍሉ ዝሃድሙ ዘለው ሰረቕቲ’ዮም፡ ሃልዮም ኣይሃልዮም ድማ ቅንጣብ ዝጎድል ነገርየለን ብምባል ዝሃቦ ዘይሓላፍነታዊ መግለጺ ብርቱዕ ቁጠዐ ከም ዝፈጠረሎም ይሕብሩ። 
  2. ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብርክት ዝበሉ ሓይልታት ሰራዊት ኣብ ከባቢ ከርከበት፡ ሂንቦል፡ ኣዶቦሓ፡ ይእኽቦም ምህላው ተገሊጹ። ዕላማ ናይዚ ተርእዮ’ዚ ክሳብ ሕጂ ንምንታይ ምዃኑ’ኳ ክፍለጥ  እንተዘይተካእለ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ጽቡቕ ዝምድናታት ኣለና ብዝብል እናገዓረ ከሎ፡ ኩሉ ግዜ ብቃጻ ኲናትን ወራርን ምክያድ ኣመሉ ስለ ዝኾነ ብወገን ሱዳን ገለ ዝሓስቦ ክፋእን ሸርሕታትን ከይህሉ ይግመት። 
  3. ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ብዝርከቡ ሓለፍቲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ግቦ፡ ስርቕን ምጥፍፋእን ካብቲ ዝነበሮ ብዝኸፍአ መልክዑ እናሳዕረረ ምምጽኡ ተገሊጹ። ብሰንኪ’ዚ ኣብ ላዕለዋይ ይኹን ታሕታዋይ ሓላፍነት ናይቲ ስርዓት ዝርከቡ ብብዝሒ ይእሰሩ ምህላዎም ድማ ተሓቢሩ። ብፍላይ ሃለኽቲ ኣቁሑት፡ ሽኮር፡ እኽሊ፡ ነዳዲ፡ መሳሊ ኣጠፋፊእኩም ዝተባህሉ ሓለፍቲ ናይቲ ስርዓት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ የካቲት 2014 ካብ ንኡስ ዞባታት ኣዲበራን ተመራትን ከምኡ’ውን ካብ ዓዲ ሓረት ሓምድን ጉልጅን ዝተወስዱ ኣብ ከተማ ተሰነይ ተኣሲሮም ብርቱዕ ምርመራታት ይካየደሎም ምህላዉ ተገሊጹ። 
  4. ዓሊ ኣልኣሚን ዝተባህለ ተወላዲ ብሄረ ናራ ኣብ ከባቢ ሞጎራይብን ባረንቱን ካብ ቅድሚ ነጻነት ጀሚሩ ከም ጸጥታን ኩትሻ እዝንን መርበብ ስለያ ህግደፍ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ፡ ወርቂ ዘሚቱ ተባሂሉ ኣብ ተሰነይ ቅድሚ ሸሞንተ ወርሒ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዝወረዶ ኣሰቓቒ መገርፍትን ከቢድ መጎዳእትን ክሳቐ ብድሕሪ ምጽንሑ ብ08 መጋቢት 2014 ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዩ፡ ቀረባ ቤተ-ሰቡ ሓቢሮም። ብተመሳሳሊ’ውን ሓላፊ ጸጥታ ንኡስ ዞባ ሞጎራይብ ዝነበረ ዓሊ ለሎ ዝተባህለ 12 ኪሎ ወርቂ ዘሚቱ ተባሂሉ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ምህላዉ ተገሊጹ። 
  5. ኣብ መዛዘሚ ወርሒ የካቲት 2014 ኣብ ሰሜን ሃይኮታ ፍሉይ ቦታ ሸካት፡ ኣብ ምብራቕ ባልቃይት ሃማ ዝተባህለ መዓስከራት ብዝተፈነወ መጥቓዕቲ ቦንባ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ዝርከቦም ሓሙሸተ ወተሃደራት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ከም ዝሞቱ ተሓቢሩ። ከምኡ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ፎርቶ ሳዋ ብ13 መጋቢት 2014 ብሓደ ዋርድያ ዝተካየደ ሃንደበታዊ ቶኩሲ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓደ ሓላፊ ዝርከቦም ትሸዓተ ከም ዝመቱ፡ 15 ድማ ብከቢድ ከም ዝቆሰሉ ተገሊጹ። እቲ ቶኩሲ ዝፈነወ ዋርድያ ነብሰ-ቅትለት ምፍጻሙ ተገሊጹ። ምክንያት ናይዚ ተርእዮ’ዚ ብስጭትን ዓቕሊ ጽበትን ዝወለዶ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት። ብገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንነዊሕ እዋን ካብ ስድራ ቤቶም ተፈልዮም ማሕበራዊ መነባብርኦም ክዘናበለ ዝተገደዱ ኣባላት ሰራዊት፡ ከምኡ’ውን ካብቲ ስርዓት ፍጹም ተስፋ ዝቆረጹ፡ ላዕለዎት ሓለፍትን ኣካላት መንግስትን ህግደፍ፡ ነብሰ ቅትለት ዝፍጽሙሉ ኩነታት እናገነነ ምምጽኡ ይፍለጥ። 
  6. ብ26 የካቲት 2014 ሜጀር ጀነራል ተኽለ ማንጆስ ምስ ሓደ ካብ ሓለፍቲ ተቓውምቲ ኢትዮጵያ  ሰለስተ ዋርድያ ኣሰንዩ፡ ብኮንትሮ-ባንድ ላንድ-ኮለዘር ጌይሩ ብኣውራጃ ከሰላ ኣቢሉ ንሱዳን ብድሕሪ ምእታዉ፡ ኣብ ዶብ ሱዳንን ግብጽን ዝርከብ ኣቡ-ሓምድ ናብ ዝተባህለ ፍሉይ ቦታ  በጺሑ ክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግብጺ ሒዙ ንኤርትራ ምምላሱ ተገሊጹ። 
  7. ኣብ ፍሉይ ወተሃደራዊ ስልጠና ኣትዮም ዝርከቡ ኣህዱታት ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ብግብጻውያን ሱዳናውያን ኤርትራውያን ትምህርቲ ይወስዱ ምህላዎም ብተቓወምቲ ሱዳን ዝፍለጡ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ታዕሊም ኣትዮም ከም ዘለዉ ተሓቢሩ። 
  8. ማሕሙድ ኣደም ዝተባህለ ተቐማጢ ንኡስ ዞባ ጉልጅ ብ14 መጋቢት 2014 ኣብቲ ከባቢ ክልተ ኢትዮጵያውያን ኢዮም ዝተባህሉ ሒዙ ንጸጥታ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብድሕሪ ምርካቡ፡ ኣብ ተሰነይ ብኮነረል ሓምደ ዝተባህለ ምርመራ ይካየደሎም ምህላዉ ተፈሊጡ። እቶም ዝተታሕዙ ክልተ ኢትዮጵያውያን ዝተባህሉ ንተቓወምቲ ንምጽናዕ ከም ዝመጹ ኣሚኖም ዝብል ወረ ብ09 ይናፈስ። ማሕሙድ ኣደም ብስለያ ከም ብልጫ 5,000 ናቕፋን ሓንቲ ሽጉጥን ተሸሊሙ፡ ኣብ ዓዱ ኮይኑ ናይቲ ስለያ ብምዃን ክሰርሕ ተመዚዙ ምህላዉ፡ ምንጭታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ የረጋግጹ።

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን
ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)
27 መጋቢት 2014

 

 

 

መጋረጃ ይቀንጠጥ 30 – መገዲ ምስ ወዲ ዓዲ!!!!!!

መጋረጃ ይቀንጠጥ 30
 መገዲ ምስ ወዲ ዓዲ!!!!!!!
 
ዶክቶር ተወልደ ወዲ ቫካሮ!!!!!!!
 
wedi-Vacaroከመይ ኣለኻ ኣንታ ወዲ ቫካሮ
ወዳጀ ልቦና ወዳጀ ኣእምሮ
ካብ ጀመርካ ንህዝብኻ ክትመኽሮ
ደጋግመሉ ድኣ ኣጸቢቑ ክስቖሮ።
 
ዑቑር  ምስጢር ኣውጽኣዮ
ሕበጥ ሃገር ጠዊቕካ ኣንተዓዮ
መድሓኒት ክርከቦ ቁስልና ከነጽርዮ
ሕማም ሃገርና ደጋጊምካ ጥብሓዮ።
 
ንዓመታት ዓቑርካዮ ዝነበርካ
ብዙሓት ኢና ሰብ ቓንዛ ከማኻ
ክንደይሞ! ኣላ ኣምዑታ መኺኻ
ብዙሕ እዩ ትጽቢትና ካባኻ
ኣትሪርካ ሓዝ ኣጽንዓዮ ዕርፍኻ።
 
ዶክተር ተወልደ ወዲ ወዲ ሎጎጭዋ
ወዲ ገብረ ኸፈለት ኣብ ላዕሊ ሓለዋ
ወለድኻ ኣብ ማይላሓም ሕጊ ተኸልዋ
ንበይኖም ዘይኮነ ንኹሉ ዝጸልዋ
ካብ ጀመርካ ዓድኻ ኽትሕልዋ
ኣክቦ ህዝብኻ ግበረሉ ዋዕላ
ተቓላጠፍ ሸፋቱ ጨሪሾም ከይ ኣብረስዋ።
 
ሕጊ ዓደቦኻ መሰረቱ ካብ ጥንቲ
ኣብ ዓዶም ዝሕግጉ ብትዕግስቲ
ንወለዶ ዝጸንሔ መርየት ኮነ ርስቲ።
 
ሰውራ ዝብል መጸ ብስም ገድሊ
ኣደንቛሪ፡ ንፍልጠትን ከልካሊ
ባህሊ ዘረግዎ ታሪኽ ከይደሊ
ከይፈልጥ ሰውራ መሃርዎ መታለሊ
ሃገሩ ኣጥፍኤ መሰረቱ ከየለሊ
ዘርእና ተማሕወ ከም ዓቢ ተኽሊ                        
ነዚኹሉ ተሰኪሙ ይነብር ብዓቕሊ።
 
ዶክቶር ሓወይ ኣዳልየኒ ምኽሪ
ኣብ ዓዲ እዩ ዝርከብ ሕድሪ ኮነ ዝኽሪ
ስትራተጂ ዓዲ ኣሎ ዝተጻሕፈ ብኽብሪ
ንዜጋ ዘደላድል ዘነባብር ብዘይ ሓለፋ ስድሪ።
 
መንምዃኑ ይፍለጥ! ወዲ ሃገር
ክንደሻዕ ክትብል  ጠምበርበር
ብብርዒ ስም ዝጽዋዕ ብዓል ኣበር
ኣዳዕዲኡ ዘይመጉት ኣይቕረብ ኣብ መንበር
ብብርዒ ዝጽዋዕ ኣይእርነብ! ኣይኽበር።
 
በል ንህዝብና ንገሮ ብኹሉ
ሕጊ ንዝደሊ ክሕሎ መሰሉ
ተሓቢእካ ኣይኮነን ስራሕ ናይ ተዃሉ
ዝዛረብ ይዛረብ ኣብ መድረኽ ዓው ኢሉ።
 
ዶክትር ሓወይ ንገርና በብሓንቲ
ሀገርና ትጭፍጨፍ ኣላ ብኸተርቲ
ስድራቤት ብሓንሳእ ንኸይነብር በተንቲ
ሕጻናት ከይመሃሩ ንስደት መሳገርቲ
ኣኪቦም ይሸጥዎ ከም በጊዕ ከም ከብቲ
ጉዶም ይውጻእ ዘርዚርካ በብሓንቲ።
 
ወዲ ቫካሮ ሓደራኻ
ኣለዉ ተዃሉ ከየታልሉኻ
ባጀላ ኣለና ዝብሉ ልዕለኻ
ከይትኣምኖም! ኣስተውዒልካ! ስምዓዮም ኢኻ
ተግባሮም ተኹላ! ኣባጊ ከይመስሉኻ
ኣሕሊፎም ዘይህብዎ ንማፍያ ህግደፍ ዓድኻ
ጸበብቲ፡ ጉጀለውያን፡ ዘይጸርዩ፡ ምሁራት ኣብ ግዜኻ
ንኸምስሉ ተቓለስቲ፡ ኢና ከይብሉኻ
ሓደራኻ ሓደራኻ ንመንእሰይ ሓብሕበልይ ኢኻ።
 
 
ዉድቀት ንማፍያ ህግደፍ!!!!
ፍትሒ ይንገስ!!!
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
26 መጋቢት 2014