ኣዘዝቲ ሰራዊት ሕጂ ኸ ተራ መን ተረፈ?

ኣዘዝቲ ሰራዊት ሕጂ ኸ  ተራ መን ተረፈ?
                               
                                 ረድኢ መሓሪ /ኣለና/
                                   መጋቢት 26 – 2014

        እወ ሎሚ ኸ ተራ መን ተረፈ? ብድሕሪ ኣሰቃቒ ህልቂት ህጣራታት ደቂ ኤርትራ ኣብ ጎዳጉዲ ዒራዒሮ በዓል ማሕሙድ ሸሪፎን ጴጥሮስን፡ እወ ብድሕሪ ሃይለ ድሩዕን ዑቕበ ኣብራሃን! እወ ብድሕሪ ብርሃነ ገረዝግሄርን ጀርማኖ ናቲን፡ እህምም ብድሕሪ ሕመድ ሓምድን በራኺን፣ .. ወ.ዘ.ተ እታ ብደም ዝጠስጠሰት ሰባብ ገመድ ህግደፍ ስራሓ ኣይገደፈትን።

       ክሳብ ግንባር ጎልያድ ብእምኒ ዳዊት ዝጭደድ ድማ፡ ገመድ ዲያብሎስ መመሊሳ ብደም ደቀባት ክትስባሕ ኢያ። ከምቲ ቅዱስ ዳዊት ንኡስ ኣነ እም ኣሃውየ! ዝበሎ፣ ታሪኻዊ ግዴታ ስለዝኾነ፤ ግንባር ኢሳይያስ ብዘይተገመተት ወንጭፍ ደቀባት ተጨዲዳ ንዘለኣለም ክትጠፍእ ኢያ። ክሳብ ሽዑ ኸ ትም ድዩ ክኸውን?
         እሕሕ! ዘይተሰርነቐ ይኽእላ ኢዩ ሞ ዘይተሰርነቐ እንተሎ ሎሚ እሕሕሕሕ! ይበል።ኢሳይያስ ኤርትራውያን ደረጃ ብደረጃ እናኣጸመወ  ዘጽንት ጉዳመኛ ተኹላ ምድረ በዳ ኢዩ። ንሱ ከም ኣባ ጎብየ ኣብ ሰፈሩ ኣድብዩ ግዜ ዘጽንዕን ዝጽበን፤ ከም ነፋሒቶ መምስ መድርኹ ሕብርታቱ ዝቐያይር  ጥራይ ኢዩ እምበር ሕጂ እውን ብድሕሪ ውጩን እዞም መኮንናት እዚኦምን፡ ተር ከም ዓተር ካራ ዝሰሓለሎም ላዕለዎት መኮንናት ሰሪዑ ኣሎ።

        ብዘይ ምግናን እዞም ሰባት እዚኣቶም (ብ/ር ጀነራል ኣማኑኤል ሃንጀማ፡ ብ/ር ጀነራል ቫይናክ፡ ደሱ ተስፋጽዮን) መዓልቲ ይጽበየሎም ከም ዝነበረ ገምጋም ነይሩና ኢዩ። ኩላቶም ኣብ ስርዓት ህግደፍ ዕግበት ኣይነበሮምን። ኣብ ቡን ትረ-ስተላን እንዳ ቢልያርዶን ብዙሕ ግዜ፡ <ኣከያይዳና ጽቡቕ የለን> ይብሉ ነይሮም ኢዮም። እዞም ሰባት ደለይቲ ለውጢ ኢዮም ነይሮም። ግን ከመይ ጌርካ ለውጢ ትፈጥር? ከመይ ዝበለ ስጉምቲ ትወስድ ጥበብ ኣይፈጠሩን። ካብዚ ከምኦም የድሕነና! መብዛሕትኦም መኮንናት ህግደፍ፡ ኢሳይያስ ፍሽኽ እንተበሎም ናይ ወርሒ ከኒንኦም ኢያ፤ ተጸዊጉ እንተጠሚትዎም ድማ ንዓመት ሙሉእ ብሕማም ጭንቀት ዝድነሱ ሰባት ኢዮም። እዚ እቲ ኣብ ዘመነ ህግደፍ መጨሎት ዘይተረኽቦ ሕማም ብዙሓት ኤርትራውያን ኢዩ።

         ኦ ጀነራላት ህግደፍ! ካብ ሕማም ትምምም፤ ካብ ጽላሎት ኢሳይያስ መዓስ ኢኹም ትብየኑ? ካብ ኣሕሊፍካ ምውህሃብን ኣብ ደበንገረ ተስፋ ምንባርን መዓስ ኢኹም ትገላገሉ? መንካዕ፡ ሰለሞን ወልደማርያ፡ ሃይለ ጀብሃ፡ የሚን ወ.ዘ.ተ… ክቕንጸሉ እንከለዉ ትም ዝበሉ፡ ብ2001 ምጾታት ኣርኪባቶም። ንሶም ንዘስካሕክሕ ሞት ክናና ክፍረዱ እንከለዉ ከኣ ንስኻትኩም  ንስለ ስልጣንኩም ክትብሉ ትም መሪጽኩም። ሎሚ እዞም ብሕማምን ብሓደጋ መኪናን ሞይቶም ዝበሃሉ ዘለዉ ክድፈኑ እንከለዉ ከኣ ካልኦት ትም ኢልኩም ኣለኹም። እታ ኣብ ቀይሕ ሓመድ ጸጸራት ዝደኮነት መቓብር ሓርበኛታት ማዕበል ንብዓት ሓርገጽ ዝወሓዛ ቦታ ኢያ። ወዳጄ! ስነ-ስርዓት ቀብሪ ክጽብቕ! ኣቤት ዕንባባታትን ምንባብ ታሪኽ ሂወትን!!

       ጽባሕ ቢጊሓት እታ ጎዞሞ ናብ ክሳውዶም ምስ ቀንዐት ድማ ትም ክኸውን ኢዩ። እቲ ምንታይ ኢድ ጸናሒት ሸናሒት ከምኡ ስለዝኾነት! ኢሳይያስ ብሂወት ክሳብ ዘሎ፣ ንገለ ብሕማም፡ ንገለ ብሓደጋ መኪና… ንገለ ብምውዳቕ ንገለ እውን ካልእ ምህዞ እናኣለመ ስርሑ ክቕጽል ኢዩ።

        እወ ዓንደሚካኤል ካሕሳይ፣ ካብ ኣስካላ ሸተት ኢሉ ወዲቑ!  ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ብሃንደበታዊ ሕማም ስትሮክ ተሰዊኡ፡  መሓመድ ስዒድ ባረህ ብሃንደበታዊ ሕማም ! መሓመድ ሓጎስ ብጽድፊ ዓርበ-ረቡዕ! ኢሳይያስ ጸጋይ፡ ዓብደራሕማን ጃስር ካልኦትን እውን ከምኡ ብሃንደበት ተሰዊኦም ዝብል ጽውጽዋይ ሰሚዕና።
        ብድሕሪ ወልደንኪኤል ገብረማርያምን እዞም ግዚኦም ዝበሰለ ናይ ሎሚ ቅነ ሰብ ጽሕፍቶን እታ ሰባብ ገመድ መመሊሳ ክትቅጽል ኢያ። በዓል ኣመል ኣመሉ ኢእሓድግ፡ ዎ ደብር ዲብ ኣካኑ ከም ዝተባህለ ምስላ ብሄረ ትግረ፣ ኢሳይያስ ሕያይ እስክ ገብኣ፤ ካብታ ኤርትራን ኤርትራውያንን ናይ ምጽናት ሕብእቲ ተግባሩ ፍንትት ክብል ማለት ሕልሚ ኢዩ! እሞ እንታይ ደኣ ምግባር? ትም ኢልካ ከም ገንሸል ዓርቢ ስቕለት ንፋሲካ ክትሕረድ ምጽባይ ዶ ወይስ ነቲ ብደም ዝተጠመቐ ገበነኛ ከም በጊዕ ዒድ ኣዳሕያ ምግባሩ?

        ብድሕሪ  23 ዓመታት ኤርትራ ብኩሉ እንትንኣ ከመይ ትመስል ኣላ? ሎሚ ብድሕሪ ክልተ ደርዘን ዓመታት፣ ብቁጠባ ይኹም ብማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ብዲፕሎማሲ ይኹን ብፖለቲካዊ መልክዕ ንፈውሲ ማሕላ እዚኣ ኣላ ጽብቕቲ ኣብ ዘይበሃለሉ ደረጃ ዝወረደት ሃገር ደኣ እንታይ ኢዩ ቁንቁኝኣ ኢሉ ዝሓትት በዓል መዚ ዶ ተሳእነ? ስረ ጅግና ወዲ ዓሊ ዘልዕል፡ ኣብ ኣሰሩ ዝረግጽ፡ ካብ ኩሉ ግዜ ወኻርያ እንኮ መዓልቲ ኣንበሳ ኮይኑ ዝውፈ ዜጋ ዶ ሕርሚ ኮነ? ኣነ ዓሰብ ከይደ ኢደይ ይቕጥቀጥ፡ ንሳ ስና ትውቀጥ ከም ዝበሃል፤ ደጊም ኤርትራ ዘዝወለደቶም ኣእጋሮም ነናብ ዝመርሖም እናሃደሙን ኮላሊቶም እናተሸጠን ኣብ ዘለወሉ ገናድ ግዜ፤ ዳሳት ህግደፍ ከበሮን ደበላን ኢዩ መለለይኡ።

        ኮሎኔል፡ ጀነራል፡ ሜጀር፡ ካፕተን ዝተበሃልካ ደኣ ንምንታይ ድዩ? ጀነራል ደኣ ኣባጊዕ ወዲ ለገስ ሓሓሪድካ ሸያ ንምብላዕ፡ ብላክ ለበል ዊስኪ ንምስታይን ኣዋልድ ንምዕማጽን ጥራይ ድዩ ሽመቱ! እታ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍላ ሃገርን እቲ ጻማ ዝግበኦ ህዝባን ከ ኣይንታዩን ድዮም? ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ወግሐ ጸብሐ  ግንባር ናደው፡ ግንባር ውቃው፡ ስርሒት ፈንቅል፡  ግንባር ጊንዳዕ፤ ዓጀብ ቅያ! … መን ኢዩ ክሰምዖ? እቲ ኩሉ ፕሮፓጋንዳ ኤሪ-ቲቪ ናብ ኣየር ዝብተን ደበና እምበር ተቐቢሉ ናተይ ኢዩ ኢሉ ዝርዕሞን ዝወርሶን ወለዶ የለን። ስለዚ ትኽስ ያ ድሙስ መዘንግዕ ኣንጭዋ ከም ዝበሃል፣ እቲ ዓንገረር ኢሳይያስ ስርሑ ንምስላጥ ዝጥቀመሉ መዳህለሊ ጥራይ ኢዩ። ኣይፋልኩምን! ኩሉ ሞ ይጽናሕ! ሎሚ ስለ ክሳድኩምን ስለ ዕድል ደቅኹምን እትሓስብሉ ሰዓት ኢዩ። ደቅኹም ከምቶም ኣቦን ኣደን ስኢኖም ከም ዕባያት ኦርፋን ዝዘኽተሙ ደቂ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ ክትፈርድዎም እንተኾንኩም ድማ፡ እታ ምርጫ ኣብ ኢድኩም ኣሎ።

       ኢሳይያስ ኤርትራዊ ፈታዊ ዝበሃል የብሉን። ብዘይካ እቶም ብማግኔት ስሒቡ ናብ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ስልጣን ዘደየቦም ናይ ደም ኣሕዋቱ የማነታትን ክሻን፡ ካልእ ግዚያዊ እምበር ነባሪ  ፈታዊ የብሉን። ዋእ! ትማሊ ፈተውተይ ኢዮም ነይሮም፡ ብሓደ ጸጸር ውሒጥና ተመሓሒልና ኢና፤ ስለዚ ተነቒፍኩም ስራሕኩም ስርሑ ዝብል ሕልና እንተዝነብሮ፤ ነቶም ናብ ስልጣን ዘደየብዎ ጉጅለ 15፡ ነቶም በትረ ስልጣኑ ንምድልዳል ለይትን መዓልትን ዝሰርሑ ሙስጣፋ ኑር ሑሴንን ዓብደላ ጃብርን እውን ኣይነሓፎምን። ሰብ ካብ ካልኦት እንስሳታት ዝፈልዮ ኮ ሓንቲ ጉዳይ ጥራይ ኢያ ዘላ። ንሳ ከኣ ሕልና ኢያ፡ ኣብ ደም ኢሳይያስ ሕልና ቦታ የብላን። ኣብ ቅድሚ ስልጣኑ ዋዛ የለን፣ ከም ኮፕራ ኣቐዲምካ ምጥቃዕ ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝተሞከረሉ ስልቲ ኢዩ።

        እታ ኣብ ዘመን ጥልያን ዝተሃንጸትን ብመልክዓን ቅርጽታታን ካልኣይቲ ሮማ /ሰኬንዶ ሮማ/ ትበሃል ዝነበረት ከተማ ኣስመራ ኸ ሎሚ ከመይ ኮይና ትረኣየኩም ኣላ? እወ ሎሚ መን ትሓይሽ ካብ ኣስመራን ሃይኮታን? እወ ሕጂ ኣብ ዘመነ ገበል መን ትጽብቕ ካብ ኣስመራን ቶኾምብያን? ኣብዚ ኣይሂ ጸበባ ዝዘንበሉ ዘሎ ህሞት ኢሳይያስ ካብ ኣስመራን ጢዖን፡ ወይ ካብ ቲራቮሎን ዞባ ዓውዳ ባረንቱን ኣበየነይተን ምንባር ይምረጽ?

       ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝነበርኩምን ዘለኹምን መኮንናት ኢሳይያስ! እታ ከም መቕተሊ ኣናጹ በብመዓልቱ ንሰባት እትቕርም ዘላ መጻወድያ፡ ክሳብ ናብ ክሳድኩም እትመጽእ ትም ኢልኩም ክትጽበዩዋ ኣየምሕረልኩምን ኢዩ። ኢሳይያስ ንብጾቱ ዝጠለመን ዘጽነተን ምዃኑ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ ዜጋ የለን። ስለዚ ከምቲ“ጤልማይ መልሀዩ ረቢ ሸባዩ ዝበሃል፡ ረቢ ክሳብ ዝሰሃሎ ትም ኢልኩም ምጽባይ እንተመሪጽኩም፣ ኣዲዮ!! ኣምላኽ ክሳብ ዝጸባጸቦ ደኣ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ መሳጊዱን ኣብያተ-ክርስትያኑን ኮይኑ፤ ከምኡ እውን ዕሸላት ኣብ ማህጸናት ኣዴታቶም ኮይኖም እንድዮም ዝጽልዩ ዘለዉ! ኣይፋልኩምን ገለ መራግእቲ ደኣ ኣንጥቡ!

        ከምቲ ገረብ ብሓኽላ ዝበሃል፣  ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቅዳሕ መግዛእቲ ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራን ተግባራት ሃይለ ስላሴን ኢዩ ኣንቢቡን መሪጹን። ንዕላምኡ ብተግባርን በብግዚኡ ብቃለ-መሕትትን ነጊሩኩም ኢዩ። እነሆ ድማ ንኤርትራውያን ብኤርትራውያን እናኣቕተለ ኢዩ ክመጽእ ጸኒሑ። ደረጃ ብደረጃ ናብዚ ሎሚ ዘለናዮ ህሞት ምስ በጽሐ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝነበሮ እምነት ኣጸቢቑ ስለዝተጸንቀቐ፡ ንደምህት ኣብ ገዛእ መሬትና ገበርትን ሓደግትን ገይሩ ስርሑ ይቕጽል ኣሎ።

       ኣብ ሓዘንን ቀብሪን ውጩ ንኩሉ ከባቢታት ኣስመራ ዝቆጻጸርዎ ዝነበሩ ኣባላት ደምህት ምንባሮም ኣረጋጊጽና። ንሱ ብሞርስ ኮድ ዘይኮነስ ብጋህዲ ደጋጊሙ መንገዱ ይነግረና ኣሎ። ኢሳይያስ ኣብ ክልተ መድረኻት፡ ማለት ብቕድሚ መጋረጃን ብድሕሪ መጋረጃን ዝዋሳእ ጥበበኛ ደራሲ ኢዩ። እቲ ተዋስኦ ቅድሚ መድረኽ ንርእዮን ንዕዘቦን ኣለና። ካልእ ገና ብመዓልቱ ዝፍለጥ ድራማ እውን ክስዕብ ኢዩ። ኤርትራውያን ንምጽናትን በብቁሩብ ኤርትራ ንምልሓቕን ኣብ ከባቢናን ርሑቕን ዝዋስኡ በዓል መን ኢዮም ብመዓልቱ ክግለጽ ስለዝኾነ ብህድኣት ንጸበዮ።

        ጀነራላት ህግደፍ፡ እናነገረኩም ዘይትሰምዑ፡ እናረኣኹሞ ዝዓወርኩም ሓወልቲታት  ፎርዖን ኢኹም። ንሱ ብድሕሪ ምእሳር ጉጅለ 15 ኣብ ዓመተ 2002 ኣብ ባር ሻምሮክ ብኣረቂ ሜሎቲ ምስ ሸገገ፡ < ካብ ሎሚ ንደሓር ኣብዛ ሃገር ደው ኢሉ ዝሸይን ሰብኣይ የለን፡ እቶም ንኸውን ኢና ኢሎም ዝንየቱ ዝነበሩ ከኣ ናብ ጎዳጉዲ ኣእቲናዮም ኢና> ኢሉ ናይ ልቡ ነጊሩኩም ኢዩ። ዘይነገረ እንተዝኸውንሲ ምናልባት! ገ እናበሉኻ ዶ ትጋገ? እሞ ኣዚሩልኩም ዘሎ ፈውሲ ደኣ ኣየናይ ደብተራ ጎጃም ይፍትሓዮ? እቲ ሕጃብ ከ ኣየኖት መሻይኽ ክፈትሕዎ ኢኹም ትጽበዩ ዘለኹም?

            እዚ ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዘዘኽተመ፡ ንሃገርና ኤርትራ ከኣ ናብ ዑናታት ባቢሎን ቀይሩዋ ዘሎ ኢሳይያስ ኣብ መንገዱ ኢዩ ዘሎ። ኤርትራውያን ናይ ምዕጻድ ስራሓት ካብ ዝጅመር ክሳብ ሎሚ ክንደይ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ ኢልካ ምዝካር የድሊ ኣሎ። ብልክዕ ንምፍላጡ ድማ ዛዕጎልን ዕጣንን ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን።

        ኢሳይያስ ናብታ በዓል ኣብራሃም ተወልደ ዝመስረቱዋ ሰልፊ ናጽነት ኤርትራ /ደሓር ህዝባዊ ሓይልታት/ ካብ ዝጽንበር ክሳብ ለይቲ ሎሚ 44 ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ከምቲ ተፈጥሮ ንግሆ ጸሓይ ኣብሪቓ ንምሸቱ ትዓርብ፡ ዕሉም እውን ንዓላ ካብ ዝተጸንበረላ ዕለት ቅንጸላ ኣየቋረጸን። ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ምንቅስቓስ 73/76 ኢልና ንዛረብ ንኸውን፡ እንተኾነ እታ ሰባብ ትልሚ ዘርኢ ክርዳድ ናብቲ ዝመደበቶ ሸቶ ንምዕላብ ስራሓ ኣይሓደገትን። ደቀባት ኤርትራውያን ናይ ምጽናት መደብ ወትሩ ኣብ ከብዲ ኢሳይያስ ዝተጠንሰን ጸጸኒሑ ከም ማንታ ርእሲ ዝሕረስን ኮይኑ ኣሎ። እቲ ሰባት ናይ ምቕንጻል ጥበብ በብዓመቱን ሞዴላን ይፈላለ እኳ እንተኾነ፡ ዕላምኡ ግን ሓደ ኢዩ። 

        ስለዚ ብድሕሪ ቀብሪ እዞም ገዳይም ተጋደልቲ ተራ መን ተረፈ ኢልኩም መመሊስኩም ካብ ምሕማም፡ ግንባር  ጎልያድ ንምጭዳድ ሕጂ እምነ ዳዊት ኣራርዩ።

                                ባህጊ ኤርትራውያን ክኸውን ኢዩ!
                                     ሞት ክናና ንኢሳይያስ!! 

 

 

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.