ቅሉዕን ምስጢራውን ዜናታት ደንበ ህግደፍ

ቅሉዕን ምስጢራውን ዜናታት ደንበ ህግደፍ

ምንጭታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

ኣብ መንጎ ገባቲ ስርዓት ህግደፍን ራሻይዳን እናማዕበለ ዝመጸ ዘይምቅዳው ንምፍታሕ፡ ካብ ራሻይዳ ሽኩርያ ዘተባህሉ ቀቢላ መንጎኝነት ክኾኑ ዝተላእኩ፡ ብ17 የካቲት 2014 ምስ ሜጀር ጀነራል ተኽለ ማንጆስ ርኽብ ምክያዶም ተሓቢሩ። እቲ ርኽብ ንልዕሊ ሰሙን ዝኸውን ምውሳዱ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ግርጭታት ኣብ ምእላይ ብዘለዎ ጸረ ደሞክራስያዊ ባህሪ፡ ኣዳህሊሉ ነቶም ቀንዲ ባእታታት ናይቲ ጎንጺ ዝበሃሉ ሒዙን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሰዊሩን ንህዝቢ ከም መፈራርሒ ክጥቐመሉ እንተዘይኮይኑ፡ ነቲ ምስ ራሻይዳ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምቕዳው ብሰላማዊ መንገዲ ንምእላይ፡ ፖሎቲካዊ ብቕዓትን ድልውነትን ዘይብሉ ምዃኑ ተገሊጹ።

ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብስም ኣብ ግድብ ኣባይ መጥቓዕቲ ምፍጻም ብዝብል ንተቓወምቲ ኢትዮጵያ ንምውፋርን ንምዕጣቕን ምስ ግብጺ ዝምድናታቱ የጠናክር ምህላዉ ተገሊጹ። ብካልእ መዳይ’ውን ካብ ስዑድያ ግዝያዊ ረብሓታትን ወተሃደራዊ ኣጽዋራትን ንምርካብ ጽዑቕ ጻዕርታት ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን፡ ምስ ኢራን ዘለዎ ዝምድናታት ንምብታኽ ተጽዕኖታት ይገብረሉ ኣሎ። ይኹን ደኣንበር  ምስ ኢራንን ሩስያን ፖሎቲካዊ ረብሓታቱ ንምጽናዕ ጸደፍደፍ ይብል ምህላዉ ተሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚኒስትሪ ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ምስ ፖሎቲካዊ ሓላፊ ህግደፍ የማነ ገብረኣብ፡ ንሩስያ ዑደት ምክያዶምን ምስ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ናይቲ ሃገር ምዝርራቦምን ይፍለጥ። ዑደት መራሕቲ ህግደፍ ጀረናል ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ግብጺ ኣብ ሩስያ ዑደት ብድሕሪ ምክያዱ ንሰሙኑ ዝተገብረ ምዃኑ ተረጋጊጹ።

ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ካብ ግብጺ ዝመጸ ሓድሽ ኣጽዋር ንምልላይን ዝለዓለ ወተሃደራዊ ታዕሊም ንምውሳድን ብ16 የካቲት 2014 ኣብ ከባቢ ሳሕል ታዕሊም ምጅማሮም ተሓቢሩ። ካብ ተቓውምቲ ኢትዮጵያ እቶም ታዕሊም ዝጀመሩ፡ ኣብቲ ከባቢ ግድብ ኣባይ ዝተወልዱን ምስ ቦታ ጽቡቕ ሌላ ዘለዎን ተመሪጾም ዝተወስዱ ምዃኖም ተረጋጊጹ። ምስ ሃገራት ኣዕራብ ዝምድና ንምፍጣርን ምስ ኤርትራ ዝግበር ስራሓትን ንምውህሃድን ሓላፍነት ዝወሰደ ካብ ትካል ጸጥታ ግብጺ ሜጀር ጀነራል ሓትም ባሻን ክበሃል ከሎ፡ ኣጽዋር ሒዙ ንኤርትራ ዝኣተወ ሜጀር ጀረናል ካልድ ኣሕመድ ሳሚ ምዃኑ፡ ጉዳይ ታዕሊም ተቓውምቲ ኢትዮጵያ ንምክያድ ዝተመዘዘ፡ ኣብ ጸጥታ ስርዓት መሓመድ ጃዕፈር ንሜሪ ብደረጃ ሜጀር ዝነበረ፡ ብድሕሪ ውድቀት ናይቲ ስርዓት ኣብ ግብጺ ተዓቒቡ ዝጸንሐ ሱዳናዊ ምዃኑ ተገሊጹ።

ካብ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ኣባላት ደምህት ልዕሊ 20 ዝኾኑ ብኮረኔል ወዲ ሓድጉ ዝተባህለ ሃሱስ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ተመሪሖም ብ22 የካቲት 2014 ንዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘራኽብ ስሉሳዊ ኩርናዕ ኣብ ፍሉይ ከባቢ ሹቕ ክትር ዝተባህለ ቦታ ምንቅስቓሶም ተሓቢሩ። ሓደ ጉጀለ ካብኦም ንእምሓጀር ክምለስ ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ጉጅለ፡ ኣብ ሹቕ ክትር ዓስኪሩ ምህላዉ ድማ ተረጋግጹ። እዚ ጉጅለ’ዚ ነቲ ከባቢ ጽቡቕ ኣፍልጦ ብዘለዎ ሃሱስ ወዲ ሓድጉ ተመሪሑ ዝመጸ መጽናዕትን ዳህሳስን ንምግባር ምዃኑ ይግመት። ወዲ ሓድጉ ናይቲ  ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ገለ ካብ ተጋደልቲ ህ/ግንባር ቀቲሉ ኣብ ከባቢ ሑመራ ተሓቢኡ ዝነበረ፡ ብ1997 ንኣቦ-መንበር ደምሓኤ ነበር ተጋ/ገብረ-ብርሃን ዘርኤ ንምጭዋይ ምስ ዝተሓባበር፡ ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ምሕረት ክግበረሉ ብዝተዋህቦ መብጽዓ ምሉእ ምትሕብባር ክገብር ብድሕሪ ምርግጋጹ፡  ተግባራዊ ምስ ገበረ፡ ንኤርትራ ሰጊሩ ብዋጋ ናይ ዓስቡ መዓርግ ኮረኔል ዝተሸለመ ሃሱስ ምዃኑ ይፍለጥ።

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን
ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)
18 መጋቢት 2014

 

 

 

 

ደምበ ተቓውሞ፡ ጉዕዞ መርከብ ብዘይ ኮምፓስ:

ደምበ ተቓውሞ፡ ጉዕዞ መርከብ ብዘይ ኮምፓስ:

 12 መጋቢት 2014

ሃብተማርያም ኣብራሃ
ለንደን – ዓዲ እንግሊዝ

‘ምስ ሕሱም ኣይትቑጸር ስንቅኻ፡ ቅድም ተሰከመን ደሓር ከኣ በርኩተን ይብለካ’ ኢዩ ኮይኑና ዘሎ ጉዳይ ኢሰያስ። ንሕና ኤርትራውያን ምስ ሕሱም ስንቅና ዝቋጸርና ህዝቢ ኢና። ሰላም ዝዓበኹም መጓዕዝቲ ዝነኣስኩም መንእሰያት ድማ ተኸተልቲ፡ ኣብ ዘዘለኹሞ ደሓን ንክትህልዉ በዓል ምሉእ ተስፋ እየ። ብፍላይ ከኣ ንኤርትራውያን ተቓለስቲ ደቀንስትዮ እንቋዕ ናብ 8 መጋቢት 2014 ብሰላም ኣብጽሓክን ክብል ይደሊ።

ለይቲ ድቃስ ዘይህብ ከምኡ’ውን ቀትሪ ዕረፍቲ ዝኸልእ ጉዳይ ህዝቢን ሃገርን ኣብ እንግድዓና ካብ ተጻዕነ፡ እሂን ምሂን ክንበሃሃልን ንሓድሕድና ክንጫኖን ግዜ ይጠልበና ኣሎ። ኣከያይዳ ደምበ ተቓውሞ ‘ጉዕዞ መርከብ ብዘይ ኮምፓስ’ ካብ ኮነ፣ ንኣከያይዳና ብዝምልከት መኣዝንንና ንምስትኽኻል ኮምፓስ ክንሕዝ፡ ናብ መዕለቢና ንምብጻሕ ድማ ሎሚ ገለ ነገር ክንገብር ኣለና። ኩሉ ዝተፈተነ ስራሓት  ከንቱ ውእቱ ኮይኑ ኢዩ። እሞ ካን ዲና ካብ መሬት ዓደቦናን ካብ ገዛውትናን ተሰጒግና ክንነብር? ኣይፋል! ንሕሰብ’ሞ ገለ መራግእቲ ደኣ ንፍጠር።

ኣብ ዓለም ብዘይካ እምነት ዘቅየርን ዘይበሊን ነገር የለን። ስለዚ እቲ ኣብ መንጎ ውድባትን ሰልፊታትን ዝነበረ ጽልኢን ምትፍናንን ንክበሊ ድምጺ ስዉኣት ካብ መዓሙቕ መቓብሮም የቃልሕ ኣሎ። ምስቲ ክንገብሮ ዝግበኣና፡ ነዚ ኩሉ ፋሕ ብትን ክትርእዮ ከለኻ ድማ ካባና እንስሳ ይሓይሽ እንተበልኩ ኣይተጋገኹን። እንስሳ ንሓድሕዱ ተጫንዩ ኢዩ ናቱን ዘይናቱን ዝፈልጥ’ሞ ሕጂ’ውን ሓደራ ስለ እዚ ዝጸንት ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ መኽደንን ኣልባን ንኹን። ክቡራት ደቂ ኤርትራ መድሃኒቱ ዝሓብአ ካብ ሕማሙ ክፍወስ ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ቀዳሞት ወለዲ ዝተጠቕሙሉ መድሃኒት፡ ከምኡ ከኣ ሰውራ ኤርትራ ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት መንገዱ ዝተጠቕመሉ መድሃኒት  “ሓድነት”  ዝተባህለት ፈውሲ ኢዩ። ነዚ ከኒና እዚ ክንረኽቦ ኣይከኣልናን ዘለና።

ንሕና ደቂ ኤርትራ ብሰንኪ ኢሰያስ ዘሳወሮ መጋርያ ጥፍኣት ገና ብዘይጠፍእ ሓዊ ንልብለብ ኣለና። ሎሚ ብዛዕባ እዚ ተላባዒ ናይ ጥፍኣት ባርዕ እዚ እንተዘይመኺርናን እንተዘይ ተሰማሚዕናን ድማ፡ እቲ ቁስሊ ካባና ናብ ደቅናን ደቂ ደቅናን ክሓልፍ ኢዩ። እስከ ዓይኒ ዘለዎ ይርአ፡ እዝኒ ዘለዎ ድማ ይስማዕ። ኤርትራ ፍሬኖ ከም ዘይብላ ኣረጊት እትናብለ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ናብ ሃው ዝበለ ጸድፊ ሸለውለው ትብል ዘላ ሃገር ኢያ።

እዚ ጉዳይ እዚ ምስ ዕድል ድዩ ክቑጸር ምስ ጽሕፍቶ ኤርትራውያን ገና ክምለሽ ዝግበኦ ጉዳይ ኢዩ። ብድሕሪ ረዚን መስዋእቲ ናይ 30 ዓመታት ጉዕዞ፡ ኣብ 1991  ሽቦ ላጋ ሽቦ ምስ ተባህለ፣ ንሙሉእ ናጽነትን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ ደኣ መሰለና እምበር “ነዚ ክትግዕታ ዶ ትርህጻ” ከም ዝበሃል፣ ከምዚ ንብላሽ ኣይመሰለናን።  ህዝቢ ደቢሉን ዓሊሉን ኢዩ። እንተኾነ ግን ይተዓለልን ይሳዕሳዕን፡ ኢሰያስ ካብ ዝወፍር ኣትሒዙ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ካብታ ዝተበገሰላ ዕላማ ፍንትት ኣይበለን።

እቲ ሽግር ናቱን ናይ ለኣኽቱን ዘይኮነስ፡ ናትና ናይዞም ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ንሓድሕድና ንዋጋእ ዘለና’ምበር። ኣይተፈለጠናን ደኣምበር፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ ዘመነ ህግደፍ ዓመታት ጥይት ብዘይብሉ ጠበንጃታት’ኮ ተዋጊእና ኢና። እዚ ኣብ ምንቲ’ምንታይ ኢዩ? ‘ሽም ነርሓ ሳዕሪ ነሓ’ ከም ዝበሃል ደጊም፣ እዞም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝረኣናዮም መሪሕነት ብዘይካ ናብ መንበር ኢሰያስ ምጥማት፡ ህዝቢ ወዲቦም ሓራ ከውጽእዎ ኣይረኣናን። ኢሰያስ ኣብ መንገዱ ነይሩ፡ ገና እውን ኣብ መንገዱ ኣሎ። ደቀባት ኤርትራ ብዝተፈላለየ ኣገባባት በብሓደ ንምጥፋእ ዝተበገሰሉ ዕላማ ገና ኣይዓረፈን ዘሎ። እቲ ካብ ምስላፉ ዝጀመረ እከይ ተግባራት፡ ብቅንጸላ ንደቀባት ኢዩ ጀሚሩዎ። ኮር ተገልበጥ! እቲ ኣብ ጸልማት ግዜ ዝነበረ ቅንጸላ ንደቀባት፡ ኣብ ጸሓይ ብርሃን እውን ኣጋዲድዎ’ምበር ኣይገደፎን። ዘዝተወልደ ንስደትን መከራን ኮይኑ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ መሬቱ እሱር ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።

እሞ ስለ ህዝቢን መሬትን እንታይ ደእ ንግበር? ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ተቓዋማይ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፡ እዚ ተቓውሞ እዚ ብከመይ ኢዩ ናብ ሓደ ክጥመር? መን’ዩ ሽም ንህቢ ኮይኑ ዘዕስል? መማእዘኒ ኮምፓስ ካበይ ይረኸብ? እስከ ነንነፍስና ንፈትሽ! ከምኡ’ውን ከባቢና ንመርምር። ደምበ ተቓውሞ ንስም እምበር ብግብሪ የለን። እቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝገበርናሉ፡ በብመድርኹ ተኾብኲቡ ካብ ኪዳን ናብ ኮሚሽን፣ ጸኒሑ’ውን ባይቶ ዝተሰየመ ቅሚጦ፡ ብዘይካ ወረ ዘፍረዮ ጉዳይ የለን። ሃገራዊ ባይቶ፡ ‘ከይኮነ ለብም ከይተሰብረ ጸግን’ ከም ዝበሃል፣ ክልብምን ክጽገንን ኣይረኣናን።

ከመዮ ዛግራ ናዝቢ መሸንጋጓን ናብቲ ዝበሃል፡ እቲ ንኣዳም ገረሞ ኮይኑ ዘሎ ከኣ ጉዳይ ደምበ ተቓውሞ ኢዩ። ቃል ንቃሉ ክንደይ’ከ ይጥዕም ኢዩ። ተቓውሞ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢናን ሃገርናን ኲናት ኣዊጁ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ይመስል። ወዳጄ ጣቋ! ኣብ ኣኼባን ጽሑፋትን፡ ኣብ ቅዋምን ፕሮግራምን መልክዕ ውድባትን ባይቶን ክጽብቕ ጉዳም ኢዩ! ደምበ ተቓውሞ ንኢሰያስ ንሓንቲ ለይቲ እውን ዘሕድርዎ ኣይመስሉን ኢዮም። ኣቤት እቲ ኣዋጆም፡ ዘረብኦም ክጽብቕ! እዚ ቁም ነገር ዘይብሉ ውቃጦ እዚ ድማ ከምቲ ‘መልክዕ ደኣ ይሃበኒ’ምበር ውሕልነትሲ ካብ ጎረቤተይ ይመሃሮ’ ዝበለቶ ሰበይቲ፣ ደምበ ተቓውሞ እውን ብዘይካ ኣብ ምጽባቕ ፕሮግራም ዝገበርዎ ውቐይ የለን። እዞም ሰባት ንውድባትን ሰልፊታትን ከም ናይ ንግዲ ሊቸንሳ ደኣ’ምበር ከም መቃለሲ ባይታ ተጠቒሞሙሉ ኣይፈልጡን ኢዮም። ናይ ትማሊ ተመኩሮ ከም ዝሕብሮ፣ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ጉባኤኡ ዝነበሮ ሓሸውየ ምርኣይ ጥራይ ይኣክል ኢዩ።

ከምቲ ኣቐዲመ ጽሒፈዮ ዝነበርኩን ብዙሓት ደቀባት ዝተዛረቡዎን ከኣ፡ እዚ ደምበ ተቓውሞ ዝተባህለ ተዛራባይ ሬሳ ደኣ’ምበር ህያው ኣይኮነን። ብዛይካ መልሓስ ንሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን ሰሪሑ ኣይፈልጥን ኢዩ።  እሞ እንታይ ደኣ ይገበር? ልክዕ ብልክዕ እቲ ዝሓለፈ ዓመታት ናይ ክሳራ ዓመታት ምንባሩ ክግምገም ይግባእ። ደምበ ተቓውሞ ኣብዘን ዝሓለፋ 23 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ከባቢ ኤርትራ ቅንጣብ ዓወት ካብ ዘየመዝገበ፣ ውሽጡን ደገኡን ከም ብሓድሽ ክውደብ ኣለዎ ይብል።

ለውጢ ካብ ውሽጢ እምበር ካብ ደገ ከም ዘይመጽእ እነሆ ጭቡጥ ኣብነታት ርኢና ኣለና። ስለዚ ‘ንእሾኽ እሾኽ ኢያ ተውጽኣ’ሞ ኣራግጻኻ  ኣይትቐይር’ ከም ዝበሃል፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለኹም ህዝቢን ሰራዊትን ኣጆኹም! ኣይትደቅሱ፡ ታሪኽ ጅግንነት ንምድጋም ግንባር ህግደፍ ንምድምሳስ ተዳለዉ። እዞም ሎሚ ንኤርትራ ብፖለቲካን ቁጠባን ገቢቶማ ዘለዉ ቁንጣሮ ሰባት እንታዎት ኢዮም? ቀንዲ መንነቶምን መበቆሎምን ብንጹር ክፍለጡ ኣለዎም።

ክሳብ ሎሚ ተሓቢኦሙሉ ዝነበሩ ድርዒ ክስበር ይግባእ። ንደቀባት ኤርትራ ካብ ሰብዓታት እናቀንጸለ ዝመጸ ጸይቀ-ዕሉል መራሒ ህግደፍ፡ ብድሕሪ ናጽነት እውን ነቶም ቀንዲ ዓንዲ ማእከል ደቀባት ኤርትራ ብተንኮል ናብ ዒራዒሮ ዳጒኑ ኣጥፊኡዎም ኢዩ። ከም ገለ ንዝጠርጠሮም እውን በብግዚኡ ብምስማም የጽንቶም ኣሎ። ኢሰያስ ብዘይካ ስልጣኑ ዝግድሶ ጉዳይ የለን። ትማሊ ኣገልጊሉኒ ኢዩ፡ ስለ መንበረይ ተወፍዩ ኢዩ ዝበሃል ኒሕ የብሉን። ከምቲ ‘ንዝኣመነን ንዝኸሓደን ብሴፍ’ ዝበሃል፣ ሎሚ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ካብ ሴፍ ኢሰያስ ዝተርፍ ወደባት ኣይክህሉን ኢዩ።

ስለዚ ደምበኻ ከይበተኸ እንከሎ፡ ተንስእ ህዝቢ ኤርትራ። ደምበ ተቓውሞ፣ ብፍላይ ከኣ ደቅና መንእሰያት ናይ ለውጢ ሓዋርያት ከም ምዃንኩም መጠን፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ክውላዕ እንደልዮ ዘለና ሽግ ንምውላዕ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ሓደ ኩኑ። እቲ ምፍንጫልን ምውንጃልን በተን ውድባት ከብቅዕ ይግባእ። ናታተን ኣከያይዳ እናኣሕዘነና፡ ሎሚ እውን ኣብ ማሕበራት መንእሰያት ምፍንጫል ይረአ ኣሎ። ይኣክል ጉዕዞ ደምበ ተቓውሞ፡ ጉዕዞ መርከብ ብዘይ ኮምፓስ።

 

ውድቀት ንህግደፍ

ዓወት ንደላዪ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ!

 

 

ኣባ ዲዮስቆሮስ ኣካላውን ኣአምሮኣውን ስንክልና ኣጋጢምዎም፡ ብህጹጽ ናብ ኣስመራ ተመሊሶም

ኣባ ዲዮስቆሮስ ኣካላውን ኣአምሮኣውን ስንክልና ኣጋጢምዎም፡ ብህጹጽ ናብ ኣስመራ ተመሊሶም

ኣባ ዲዮስቆሮስ ብዝወረዶም ወቕዒ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስንክልና ኣጋጢምዎም ኣብ ካርቱም ክሕከሙ ድሕሪ ምጽናሕ ለውጢ ስለዘየርኣዩ ብህጹጽ ናብ ኣስመራ ተመሊሶም። ብፁዕ ኣቡን ዲዮስቆሮስ፥ ዝርኣይዎ ዝዛረቡ: ብግርህነቶም ዝልለዩ ሰብ እዮም። እንተኾነ ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘይብሎም ከም ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ፥ ኣባ ሉቃስ: ቀሺ ሃብቶም ርእሶም: ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይን ዝበሉ ሰባት ንግርህነት ናይዞም ሽማግለ ኣቦ መዝሚዞም ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ሓደጋን ተነጽሎን ኣውዲቖማ እዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ህልው ኩነት ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ካብ ኩነት ሃገርና ብዘይፍለ መልክዑ ኣብ ኣሰካፊ ህሞት ይርከብ።

ኣባ ዲዮስቆሮስ “ፓትርያርክ ብሕይወት እንከሎ ካልእ ፓትርያርክ ኣይሽየምን” ዝብል ቀኖና (ሕጊ) ቤተ ክርስቲያን ጥሒሶም ድሕሪ ምሻሞም፥ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ምሉእ ተነጽሎ ኣጋጢምዋ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ሎሚ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ወጻኢ ዘይሰርሕ ምስሉይ ፓትርያርክን ዘኽታም ሲኖዶስን ሒዛ ክትነብር ተፈሪዳ ዘላ።

ኣባ ዲዮስቆሮስ፡ ብዘይካ እቶም ናይ ፖለቲካ መሳርሒ ዝኾኑ ውሱናት ሰባት፥ ብኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ይኹን ብኣድማሳዊ ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያናትን ተነጽሎ ከጋጥሞም ጸኒሑ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝንቀሳቐስሉ’ውን ሓቂ ክትጠፍእ ዘይተዋሕጠሎም ገለ ሰባት ዓገብ ዝበሉ’ውን ኣይተሳእኑን። ነቲ ዝመጽእ ዝነበረ ተቓውሞታት ብማእሰርቲን ብምጭዋይን ከህድእዎ እኳ እንተ ፈተኑ ንምጥፍኡ ግን ኣይከኣሉን። ክሳራን መከራን ኣየውረዱን ግና ኣይበሃልን። ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ኣተዉ ዘይበሃሉ ካህናትን መነኮሳትን (ንኣብነት መናኒ ኣባ እማሃ) ሓቒቖም እዮም። እቲ ሕጊ ቤተ ክርስቲያንና ተረጊጹ ዝብል ተቓውሞ ግን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ስደት መመሊሱ እናተላብዐ ይመጽእ ኣሎ። እቶም ብድፍኢት መራሕቲ ፖለቲካ፥ ዘይሕጋዊ መዓርግ ፓትርያርክ ሒዞም ዝጸንሑ ኣባ ዲዮስቆሮስ ድማ ግዳይ ግርህነቶም ኮይኖም ንህይወቶም ኣብ ዘሻቕል ኩነት ኣትዮም ኣለዉ።

እዚ ሕጂ ንኣባ ዲዮስቆሮስ ወሪድዎም ዘሎ ከቢድ ሕማም፥ ብመርገም ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ እዩ እኳ እንተዘይተባህለ፥ ሓደ ዘመሓላልፎ ሓቂ ግና ኣሎ – ብሓደ ወገን ዕድመ ወዲ ሰብ ክንደይ ድሩት ምዃኑ በቲ ካልእ ድማ ብህይወት እንኰለኻ ንስሓ ከምዘድሊ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ።

እዚ ኩነታት እዚ ክምህሮም ዘይከኣለ ገለ ጳጳሳት፥ ብፍላይ ድማ እቶም ብምንባር-ኢድ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተቐብኡ ኣባ ሉቃስ፥ በዚ ኣብ ኣባ ዲዮስቆሮስ ዝወረደ ሽግር ዝተማህሩ ኣይመስሉን። እኳድኣ: ኣቡነ እንጦንዮስ ብህይወት እንከለዉ እታ ዝተባረኹላ መስቀል ብዓመጽ ንምምንዛዓ ለይትን መዓልትን ዘይተሓለለ ጻዕሪ የካይዱ ኣለዉ።

ኣባ ሉቃስ ነቶም “በስመ ኣብ” ኢሎም ዝቐብእዎም ቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ “መናፍቕ” ብምባል ስሞም ዘጸልሙ፥ ንመጽሓፍ ቅዱስ “መጽሓፍ ርኩስ” ብምባል ንቃል ኣምላኽ ዝጸረፉ እዮም። እዚ ማለት፡ ኣብ ቅሉዕ ቅርዓት ንዝፈጸምዎ ገበን ይቕሬታ ዘይሓተቱ ኣቡን እዮም። ሕጂውን ብኣባ ዲዮስቆሮስ ዝተፈጸመ ጸሊም ታሪኽ: ዳግማይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ክደግምዎ ብደገፍ ፖለቲከኛታት ናብ ሥልጣን ፓትርያርክ ዝመጣጠሩ ዘለዉ ሰብ እዮም። ኣምላኽ እንታይ ከምዘርእየና ግና ሓቢርና ንርእዮ።

ብወገንና ግን፥ ኣባ ዲዮስቆሮስ ዝጠሓስዎ ውግዘት ሥላሴ ንስሓን ይቕሬታን ረኺቦም ምስ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዕርቂ ፈጢሮም፥ ናብ ኣምላኾም ክዕረቑ ጸሎትናን ምንዮትናን እዩ።

ኣምላኽ ምሕረት ሂቡ ናይ ንስሓ ጊዜ ክህቦም ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ናይ ሱባኤ ጊዜ ጸሎትና ከይፍለዮም ድማ ንምሕጸን።

 

ምሕረትን በረኸትን እንረኽበሉ ጾም ይግበረልና፡ ኣሜን።

 

 

 

 


 

 

ቅሬን ግርጋ ኡሰዉኹ

ቅሬን ግርጋ ኡሰዉኹ

ኤውሮቢል ሊኽ ኣመሪ ጃብ ኡሰው፣ መናብረትል ኣኽኒ ፖሎቲካ ድገሩዅል ፍሪርድኖኽር መርሒድኖኽርን ቅቡባን ሰጘክ። ኡሰሪ ግርዊልድ ለጥ ይረሪዲ ኒ  መታን ፈጠርስረሪ ያዅ ዓዋዲ ክለዎሎም ሰጞኵ። ክድመትል ንር ኤምርሰናኽር ንር ክኺናርሰናኽር ከፈልሰላ፣ ንሪ ፍሪርዳኽስክ መሄርስቶ  እንከልቶ እምንቶ ፈቐድሱላ ሰጘላ። ሕብረተሰብ ዓንቀይል፣  ዲመክ ግርዊልድ ጀረበው እኽኖ ጂቦለን መንደርቱኑ ሰጘነኵ።  ንድ ቀጠበው ሸቓሎ ኡሰው ቅሬኑ ልጘር ማሕበርነት ዲቢል ኮበንሃገንትል 1910 ኣክብስኖ ዕምጭ ኒን ክብቲሮ ለመለም ኤስተሄለትለን ብያን ፍድኑኹ። 1912 ትልኻ 8 መጋቢት (march) ኤመሪ ሺባ ዕምጭ ኡሰዉኽሲ ለመለም ይድኖኽር ውራ ደርብ ፍርነት ቋልድኖኽር ታና ኣክቶለን ቅሬኑ ሸቓሎ ኡሰው ተሰማምዕነሪ ግርጋ ግን። ኡሰሪ ሸቓሊት ክድመትል ንርጨር ሸቃሎዲ ኣኽሮ ሑር ኣኽቶ ለመለም ይሩ፣ ኒዲ ሕበርደ ኮዶ ኡሰሪ ግርዊልድ ገመውላ ዕምጭልድ ሑር ኣኽቶ ለመለም ዪረሪ ኣኽረውድ ለጛ ሙኽር ለመለም ሙዅርደሪ ጝን።

ሕቡራት መንገስታት ዲቢል ኒዩ-ዮርክትል 2012 ትል  ሊኽ ኮላተልድ 8 መጋቢት (march) ብርፍ ይረትልድ 100 ኤመሪኽ በሀር በዓል ኣብዓልድኑዅ። እና ሊኽ ኤመሪል ገሪ ኮላተል ኡሰሪ ዳሕና ኣኻዅ ናይ ሰርገልዱ ብጅኻና ኮላተልኻ ልሳዕ እን ኤውሮቢል ሊኽ ኤመታት ጃብ ሰጛዅስን ጂባኹ መንደርትረት ተብድኒዅ ውሪ ቛልኑዅ። እማ ለመለም ኢሰዉኹ ደርብ ገፍ እኳ ፈርገት ተሰማሚዕኖ ለመለም ጃቢትሮ ተፋነይኑኹ።

ኤርትራይት ኡሰሪ ንርበለዲ ንርከውዲር መታን ነሳኽር መጡ ኣባይ ኮልድ ዳገንቶ ተሓረብሮ ንር ዋጅብ እስረር ግን። ላኪን ህ.ግ.ደ.ፍ መሪ ኣኾ አስመራ ዔሮ ሰና፡ሰልፍድ ጠለምሰውልድ ላሪ ኡሰሪ እርግቲ።እነ ደከው 23 ኣሜታተል ጂበገንላ ላሪ ድኳ ረይሕስትሮ ክረሪ ግርጋ እልላ። ኮል ዋንትረን ሓግላንዲ ዕድርዲር ዳግሊ የታይም ለገደቲ እንኩቲ። ጂቦላ ጋይትሮ በለድሲ ባርዶ ፍረደንኻ ኮዶ ንርጃል ድየውላ ኣጭጉም ኒን ይሮ ደገምሰው ኣኽላ። እና ደመን ኒል ኡሰሪ ኤርትራይት ክብር ኣዳምሩኽ ብሮ ዳድራኽክ ሽብዎላ ሀርገፍ ዪሩ ባሓርሊ እዃርዱ ክረቲ እንኩቲ።

ኩ ገነት ኩ ሻኒት ክሱስንኻ እንከልሲ ክኻንትረሪት ንርትልኻ ኣባጥሕ እዃርደሪት ዓምጭነዲ ቃበብነዲ ጋቢቶሉኽር ስማሳዅ ግን። ኡሰሪ ዋኒግራኽ ወራት ነፍዓላ ይነኩን ኮዶ ጃቢቶ ጀረብረን ሓብለክነኩንላ። እና ገፍ ዪነሪ ሓድርልኽር መናብረትል ንር ናይሲ ከበርድነን ናትክድ ሰርገልዲ ርድቕዲ ኣኸት ኤርእኖ ጃዅንዅን። ገና ዋነጝረን እኽርኽር እላ። እኽርሲ እንጠራ ኣኽላ ገነትኽር ኣኽርኮት እከላኽር ከበርዳኽር። ኩ ገንትር ኩ ሻኒትር ኩ ቁረትር ቋሊ እማ ኔስ ከብርድንን ግን እን8 መጋቢትር (march) ሽንክራ። እማ ነሰኸው ይና እምነዲ ይና ግብርዲ ላት ፈረሰና እሲኖ 8 መጋቢት (march) ተዓየበቲና።

ኤርባ መጋቢት ናይ ኡስውሲ ለመለም ዩኖ ክኒ ትክያኽ ይና ሹሽኽር ይና ቆልዕድር ኡነሪ ኤርባ ግን። ወረባ ይናኹል ኡሰሪ ዓምጭስጝሪን ንርዳን ሱቖይሲ ቋልስጝሪን ንሪጀረብራዅ ክኒትል ከብተጝሪን ፍትሕድር ዓዋዲስኽር ኡስሪ ሑር ኣኽቶ ፋርዕ እክባ ሙርቛ ብሊኑኹ ሆደ የቲ። ሓይሳንዲ ካብራንዲ ይና ሻን ኡሰው በላይን፣ 8 መጋቢት (march) ከብርቶኽር ኡሰሪ ንር ሓቕ ኤርቶኽር ሆደትል ደበልታ። ለመለምድ ካያ ግን ናይ ን ኤረርሳዅ።

ይነ ፍዳታት ዲመሲ እልብስናው!!!
8 መጋቢት (march) ዓንበብርርኒ!!!
ፋርዕ እክባ ሙርቛ ብሊኑኹ/ሆደ።  7-3-2014
D.O.B.N.E. /HODE: Email: <[email protected]>;

መግለጺ 08 መጋቢት 2014

መግለጺ 08 መጋቢት 2014

ነፍሲ ወከፍ ዓመት 08 መጋቢት ብዓለም ደረጃ ብክብሪ ክትጽንበል ዝገብራ ምክንያት ምስ ዝህሉ ደቂ-ኣንስትዮ ድርብ ወጽዓታትን ኣድልዎን ብምውጋድ፡ ኣብ ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ መዳይ ምሉእ መሰለን ይኹን ማዕርነተን ክረጋገጽ ብርቱዕ ቃልሲ ዘካየዳላን ሂወት ዝኸፈላላን ክብርቲ ዕለት ብምዃኑ’ዩ። እቲ ሽዑ ዝተካየደ ብርቱዕ ቃልስን ዝተኸፍለ መስዋእትነትን ድማ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ መሰለን ይኹን ማዕርነተን ንምርግጋጽ ዓቢ ኣፈደገ ከፊቱ፡ እንሆ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ቃልሰን ይቕጽል።

ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ’ውን ኣካል ናይዚ ቃልሲ ብምዃን ብጃካ’ቲ ብደቂ-ተባዕትዮ ዝበጽሕ ዝነበረ ዝተፈላለየ ባህላዊ ተጽዕኖታት ወይ ኣድልዎ ብተበራረይቲ ባዕዳዊ መግዛእትታት ዝተፈጸመ ማእለያ ዘይብሉ ኣስካሕካሒ ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ጭቆናታትን ግፍዕታትን በሰላታቱ ኣብ  ታሪኻዊ መዛግብቲ ዝተወረቑ ህያው ምስክር እዮም። ብፍላይ ከኣ ብጨቆንቲ ገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዝበጽሕ ዝነበረ ኢ-ሰብኣዊ ኣደራዕን በደላትን መወዳድርቲ ኣይነበሮን። ብውጽኢቱ ከኣ ንባዕዳዊ መግዛእትን ጭቆናታቱን ብምውጋድ ሃገራዊ ናጽነት ንምርግጋጽ፡ ኪንኡ’ውን ደሞክራስያዊትን ፍትሓዊትን ኤርትራ ብምህናጽ ካብ ኩሉ-መዳያዊ ልዕልነት ደቂ-ተባዕትዮ ብምንጋፍ፡ ዝተማልአ መሰላትን ማዕርነትን ንምውሓስ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ክስለፋን ንሰውራ ክሕብሕባን ግድነት’ዩ ነይሩ።

ስለ ዝኾነ’ውን ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ብድሕሪ ምስላፍ፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ንምስዓርን ሃገራዊ ናጽነት ንምርግጋጽን ካብ ኣሕዋተን ደቂ-ተባዕትዮ ዘይነኣኣስ መወዳድርቲ ዘይብሉ ንመላእ ዓለም ዘደነቐ፡ ጅግንነታዊ ቅያታት እናሰርሓን ከቢድ መስዋእትነት እናኸፈላን ኣብ መዝገብ ታሪኽ ንዘለኣለም ተሰኒዱ ዝነብር፡ ልዑል ኣበርክቶ ምግባረን ካብ ማንም ዜጋ ስውር ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ገጠራትን ከተማታትን ስደትን ዝነበራ ኣዴታትን ኣሓትን ሰላም፡ ፍትሕን ማዕርነትን ዝሰፈና ኤርትራ ንምርኣይ ብወገነን ብጀካ’ቲ ብክንደይ ዒሕታን ጻዕርታትን ካብ ከርሲ ማህጸነን ዝተወለዱ ዕሸላት ውላደን ንናጽነታዊ ቃልስን ጽንኩር ብድሆታቱን ምብጃው፡ ንሰውራ ንምሕብሓብ ድራር እለት ህጻናተን እናመንጠላ ንተጋደልቲ መግብን ማይን እናኣቐበላን እናዓንገላን፡ ዝኸበረ ስልማትን እናበርከታን፡ ዘርኣየኦ ሓልዮትን ተወፋይነትን ካብቲ ልሉይ ኣብነታዊ ቃልሰን’ዩ። 
  
ኮይኑ ግን ኣብ ጽባሕ ምርግጋጽ ሃገራዊ ናጽነት፡ እቲ ንኩሉ ባህግታትን ቃልስታትን ህዝቢ ኤርትራን ኣህጉራዊ ምዕባሌታትን ብሰንጠቕ ተጻሪሩ፡ ኣብ ኮረሻ ፖሎቲካዊ ስልጣን ክውጣሕ ምቹእ ዕድል ዝረኸበ ትምክሕታዊ ጉጅለ ኢሳይያስ ኣብ ዘይጭበጥ ኣጉል መብጽዓታት ተጎልቢቡ ንመኽሰባትን ጸጋታትን ሰውራ ብምጭዋይ ሕድሪ ሰማእታትትን ትጽቢታት ደቂ-ኣንስትዮን ረጊጹ፡ ኣዕኑድ ጨቋኒ ስርዓት ንምድልዳል ተጓየየ። ብውጽኢቱ ከኣ ኤርትራ መባእታዊ ቅዋም ዝበኾራ፡ ሓጋግን ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ዝበሃሉ ሰለስተ ፖሎቲካዊ መንግስታውን ትካላውን ስልጣናት ወይ ኣሰራርሓ ዘይብላ፡ ሃገር ክትኸውን ገበራ። ብስንኪ’ዚ ከኣ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ማዕርነት፡ ግስጋሴ፡ ግዝኣተ ሕጊ፡ ናጽነት ፕሬስ፡ ተሳትፎ መላእ ሕ/ሰብን ፖሎቲካዊ ሰልፍታትን ተነፊጋ፡ ብዊንታን ድልየትን ሓደ ውልቀ-ሰብን ጉጅልኡን ክትመሓደር ጸኒሓን ኣላን። ብሳዕቤኑ ከኣ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ብፍረን ባህታን ናይቲ ኩሉ ዘካየድኦ ብርቱዕ ቃልስታትን ዝኸፈልኦ ረዚን መስዋእትነትን ክድበሳ ስለ ዘይተዓደላ ንዳግማይ ሕሱም መግዛእቲ ደቂ ሃገርን ግፍዕታቱን ተፈሪደን፡ ኩሉ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላተን ይኹን ማዕርነተን ፍጹም ተጨፍሊቑ፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝኸፍአን ዝሓሰመን ፖሎቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ጭቆናታት የሕልፋ ብምህላወን ምሉእ ሓርነተን ከረጋግጻ ኣይኸኣላን።    

እዚ ስርዓት’ዚ ንሕ/ሰብ ኤርትራ ብህግደፋዊ ሰነ-ሓሳብ ወተሃደራዊ ስነ-ኣእምሮን ስነ-ምግባርን ንምህናጽ ኣብ ዘካይዶ ብርቱዕ ጻዕርታት፡ ንደቂ-ኣንስትዮ መጻኢ ዕድል ትምህርተን ኣጸልሚቱ፡ ምስ ምዕባሌታት ዓለም ከይስጉማን ከይዋስኣን ኣብ ድንቁርናን ድሕረትን ወተሃደራዊ ከበባን ክነብራ ክገብር ጸኒሑ። ንክቡር ሃይማኖታውን ባህላውን እምነታት ህዝቢ ኤርትራ ብሰንጥቕ እናተጻረረ፡ ንቡርን ክቡርን ስነ-ስርዓት መርዓ ከይፍጽማ፡ ምውቕ ሓዳርን ስድራ-ቤትን ከይምስርታ፡ ካብ በኽሪ ሕጽኖተን ክሳብ’ውን ኣብ ድቂ ዝርኸባ መርዑት ብሓይሊ እናገፈፈ፡ ንኩሉ ባህርያውን ተፈጥሮኣውን መሰላተን ነፊግወን ይርኸብ፡፡ ገባቲ መንግስታዊ ርእሰ-ማል ንምዕባይን ቆፎ ህግደፍ ንምምላእን ኣብ ባርነታዊ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ወፍሪ ዋርሳይ ይኸኣሎን ብምውፋር፡ ልዕሊ ተፈጥሮኣዊ ዓቕምታተን ክሰርሓን ጉልበተን ብነጻ ክምዝምዝን ምጽንሑ ካብ ማንም ዝተኸወለ ጉዳይ ኣይኮነን።

ካብኡ ዝኸፍአ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ መደበራትን መሓውራትን ኣብ ልዕሊ’ቲ ግዱድ መርወዪ ግዝያዊ ስምዒታትን መጋይጽትን መኮንናት ህግደፍ ክኾና ምብያኑ፡ ካብቲ ክቡር ሃይማኖታውን ባህላውን እምነታት ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ ንጥንስን ሕርስን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዝተፈላለየ ተላጋብን ተላባዕን ሕማማት ፈሪድወን ይርኸብ። ብሳዕቤኑ ከኣ ብርክት ዝበላ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ነዚ ኣዝዩ ኣነዋርን ኣዕናውን ዝኾነ ፖሊስታትን ተግባራትን’ዚ ብምቕዋም ካብ መስርዕ ሰራዊቱ ኣምሊጠን ክስደዳ ዝተገደዳ፡ ኣብ ፍቆዶ ምድረ-በዳታትን ባሕርታትን ንዝተፈላለየ ግፍዕታትን በደላትን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንከቢድ ስነ-ኣእምራዊ ጸቕጥታት፡ ስቓይን ሞትን ይጋለጻ ኣለዋ። ኣዴታት ከኣ 50.000 ክኸፍላ ክቕሰባን ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒነን ኣስሓሕካሒ ስቓይ ከሕልፋን ምጽንሐን ምስጢር ኣይኮነን።

ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ክቱር ትምክሕትን ብደዐን ካብ መጠን ንላዕሊ ሸንዲሕዎ፡ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራት በብእብረ ብዘባርዖ ተደጋጋሚ ደማውን ኣዕናውን ኲናት፡ ደም ብርክት ዝበላ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ንከንቱ ክፈስስን ክስንክላን ክገብር ጸኒሑ’ዩ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ንቡር ሓዘንን ተስካርን ኣብ ዝተፈላለየ ኲናት ናይ ዝጠፍኡ ውላደን፡ ብዓል-ቤተንን ወላዲአንን ከይገብራ ንደቂ-ኣንስትዮን ኣዴታትን ኤርትራ ምክልኻል፡ እዚ ስርዓት’ዚ ክሳብ ክንደይ ጨካንን ኣራዊትን ምዃኑ ብንጹር ዘመላክት ተግባር ምዃኑ የረጋግጽ። ብዝኾነ እዚ ስርዓት’ዚ ጸረ ህዝብን ጸረ ደሞክራስን ፖሎቲካዊ ስልጣን ካብ ዝጭብጥ ንደሓር ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮን ኣዴታትን ኤርትራ ዘበጽሖ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ጭቆናታት ወይ ግፍዕታት ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ንቃልስታትን መስዋእትነትን ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ብሰንጠቕ ዝኽሕድ ፖሊስታትን ተግባራትን ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ካልእ ክወሃቦ ዝኽእል ትርጉም ኣይህሉን’ዩ። 

ኣብታ ብድሕሪ መሪር ቃልስታትን ብኣሽሓት ዝቁጸሩ መስዋእትነት ደቓን ኣብ በኹሪ ሃገራዊ ነጻነታ መባእታዊ ቅዋም፡ ልዕልነት ሕጊ፡ ፍትሕን ሰናይ ምሕደራን ዝተነፍጋ ሃገርና፡ ብስም ሃገራዊት ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዝተሰየመት ንመሰልን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ይውክልን ይጣበቕን’የ ትብል ማሕበር ህግደፍ ምህላዋ ዝፍለጥ’ዩ። ኣብ ትሕቲ ሓደ ምልካውን ገባትን ስርዓት ዝነገሰሉ ኩነታት ንመሰላትን ማዕርነትን ሓርነታትን ደቂ-ኣንስትዮ ወይ ንዝተፈላለዩ ቀጸላታት ሕ/ሰብ ዝውክልን ዝጣበቕን ማሕበር ክህሉ ኣብ ተመክሮታት ዓለም ተሰሚዑን ተራእዩን ኣይፈልጥን’ዩ። ብድሕሪ ሕጂ’ውን ክስማዕን ክርአን ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ከኣ ብፍሉይ ክህሉ ዝኽእል ሰነ-ሓሳብን ክውንነትን ብዘይምዃኑ፡ ሃገራዊት ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ህግደፍ ብርግጽ ቀንዲ መጋበርያ ናይቲ ስርዓትን ጉጅልኡን ደኣንበር፡ ንባዕላ ካልእ ፋይዳ ዘለዎ ፖሎቲካዊ ትርጉምን ናጽነትን ክህልዋ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ዝሕሰብ ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ።

ካብ ዕለት ንዕለት ንእከይ ፖሊስታትን ተግባራትን ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ምምራቕን ምድጋፍን ሓሊፋ ነቲ ግሉጽን ኣስካሕካሕን ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ጭቆናታት ይኹን ኢ-ሰብኣዊ ግህሰታትን ተግባራትን ብጩቕ ክትብል ኣይትኽእልን’ያ። ብግብሪ’ውን ተሰሚዓ ኣይትፈልጥን’ያ። እንበኣርከስ ካብዚ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ ገባቲ ስርዓት ህግደፍን ብስም ሃገራዊት ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራን ተሰይማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ትነጥፍን ዘላ ፍጹም ክፈላለዩ ዘይኽእሉ ክልተ ገጽ ናይ ሓንቲ ሳንቲምን ትካላት ጭቆናን ክሳብ ዝኾኑ፡ እዞም ኣካላት’ዚኣቶም ንሓንሳብን ንሓዋሩን ክሳብ ዘይተወገዱ፡ መሰላትን ማዕርነትን ሓርነታትን ደቂ-ኣንስትዮ ተኽብር ደሞክራስያዊትን ፍትሓዊትን ሓዳስ ኤርትራ ክትህሉ ዝኸኣል ኣይኮነን።

እንበኣርከስ ኣብዚ ህሞት’ዚ ደቂ-ኣንስትዮን ኣዴታትን ኤርትራ ነቲ ኣብ ሃገርና ተንጠልጢሉ ዘሎ ተኣፋፍን ኣሰካፍን ፖሎቲካዊ ኩነታት ብግቡእ ብምግንዛብ፡ ብገባቲ ስርዓት ህግደፍ ከም ቀዳሞትን ልዕሊ ኩሉን ተጎዳእቲ መጠን ቀንዲ ጸላኢአን መን ምዃኑ ብምልላይ፡ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብናህሪ ክለዓላ ይግባእ። እቲ ከም ፍርቂ ሕ/ሰብ፡ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዘበርከትኦ ታሪኻዊ ቅያታትን ጅግንነትን መስዋእትነትን ክሒዱ፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ብዝኸፍአ መልክዑ ኩሉ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ይኹን ኣድማሳዊ ሓርነታት ደቂ-ኣንስትዮን ኣዴታትን ኤርትራ ገፊፉ፡ ንመዳርግቲ ዘይብሉ ዳግማይ ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባዊ ማሕበራዊ፡ ጭቆናታት ክወድቓ ዝገበረ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብምውጋድ፡ ኣብ ልዕሊ መቓብሩ ሓዳስ ደሞክራስያዊትን ፍትሓዊትን ኤርትራ ንምምስራት ብዕቱብ ክቃለሳ ይህልወን። ምክንያቱ ከኣ ብዘይተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኤርትራ ክረጋገጽ ዝኽእል ደሞክራስያዊ ለውጢ ምሉእን ብቑዕን ክኸውን ስለ ዘይኽእል።

ዓወት ንቃልስታት ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ!!
08 መጋቢት ንዘለኣለም ተዘኺራ ትንበር!!

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን
ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)
07 መጋቢት 2014