ሓባራዊ መግለጽን መጸዋዕታን ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓል ንለውጥን ፍትሕን – ሰሜን ኣመሪካ

ሓባራዊ መግለጽን መጸዋዕታን

ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓል ንለውጥን ፍትሕን – ሰሜን ኣመሪካ

ኣብ`ዘን ዝሓለፋ 22 ዓመታት፡ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ማእለያ ዘይብሉ ዕንወትን ብርሰትን ብተኻታታሊ ወሪዱ። ኤርትራ፡ በብጊዜኡ ናብ ውድቀት ክትሃምም፡ ሃገር ምልእቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክትቅየር፡ ካብ ናይ ዓለም ማሕበረሰብ ክትንጸል ዝገበረ፡ ንባህጊ ህዝቢ ዝኾለፈ፡ ንሕድርን መብጽዓን ስውኣትና ዝጠለመ: ጨካን መላኺ ስርዓት ኢሳያስ`ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ፈቖዶ ስደት ይበታተንን፡ መንእሰያት ኤርትራ ብጅምላ ኣብ ባሕሪ ይሃልቁን፡ ኣብ ጎቦታት ሲናይ ዘይንቡር ኩነታት የጋጥሞም ኣሎ። ኤርትራ ከም ሃገር ሓድነታ ኣላሕሊሑ፡ ንልዑላውነታ ክትከላኸለሉ ኣብ ዘይትኽእለሉ ኩነታትን፡ ንህዝብና ኣብ ዝኸፍአ ናይ ናብራ ሕሰምን ስእነትን ዘእተወ፡ ጸረ-ህዝቢ! ጸረ-ፍትሒ! ጸረ-ሰላም! ጸረ-ሰብኣዊ ክብሪ! ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት`ዩ።

ጠንቂታት ናይ ዕንወት፡ ንኹላትና ብሩህን ርእዩን`ኳ እንተኾነ፡ ዝሓለፉን ዘሎውን ጌጋታትና ኣሪምና ንጹር ዕላማን ናይ ዓወት ስትራተጅን ቀይስና ህዝብናን ሃገርናን ከነድሕን ዛጊት ኣይበቓዕናን። ብሓድነት ዘላቒ ፍታሕ ንምርካብ ዘገልግል ስጡም ናይ ቃልሲ መስርሕ ከይተኸተልና ጸኒሕና። ሕጂ፡ ካብ ዝሓለፉ ሕጽረታትና ተማሂርና፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ሰርዓት ካብ እንግድዓ ሃገርን ህዝብን ብህዝባዊ ናዕቢ ንምእላዩ ከም ቀንዲ ሃገራዊ ዕማም ወሲድና፡ ናይ ኩላትና ዓቕሚ ኣወሃሂድና ክንሰርሕ እዚ መድረኽ`ዚ ይጽውዓና`ሎ።  ኣብ ሰሜን ኣመሪካ እንርከብ ዜጋታት ኤርትራ ንኹን ኣብ ምሉእ ዓለም፡ ብሓደ ጥምረትን ህርመትን፡ ኣብ`ቲ ቀንዲ ናይ ዕንወትን ብርሰትን ሃገረ-ኤርትራ ጠንቂ ኮይኑ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ጉጅለ ኢሳያስ ከነቕንዕ ንጽዋዕ። እዚ ጸዋዒት`ዚ፡ ኣእምሮን ቀልብን ናይ ምሉእ ህዝቢ ረኺቡ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ህዝቢ በብዝርከቦ ከተማታት ተላዓዒሉ ክውደብን ክጥርነፍን ይርከብ ኣሎ። እዚ ዘሎ ናይ ህዝቢ ምጥርናፋት፡ ውጽኢትን ፍርያትን ናይ ሕሉፍን ህልውን ናይ ዝተወደበን ዘይተወደበን ጸረ-ምልካዊ ስርዓት ዲሞክራሲያዊ ቃልስታትን፡ ሓርበኛውን ፍትሓውን ምንቅስቓሳት ኤርትራውያን ኢዩ።

ካብ ሕሉፍ ተሞክሮታት ብምምሃር፡ ተበጊሱ ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓል፡ ጥርናፈኡ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ኮይኑ፡ ተሓታትነቱ ድማ ናብ ህዝቢ ናብ`ቲ ዝተመስረተሉ ከተማ (Locaclity) እዩ። እዚ ብውልቀ-ዕግበት ዝበጋገስ ዘሎ ናይ ዜጋታት ኤርትራ ምንቅስቓሳት፡ ዝሰፍሐ ናይ ህዝቢ ጥምረትን ጥርናፈን ብምርግጋጽ፡ ምልካዊ ስርዓት ኣልጊሱ ህዝቢ ኣብ ምስግጋር ግዜን ኣብ ምርግጋጽ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ዘተኣማምንን ውሑስን ኩነታት ኣብ ምፍጣር ዝቃለስ ሓይሊ ህዝቢ ንምፍጣር ዝጽዕት ኢዩ። መትከላዊ እምነቱ ነቲ ናይ ሓባር ዕላማ ንምዕዋት ንጹር ናይ ዓወት ካርታ ወኒኑ፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ እንዳተፈትሑን እንዳተማሓደሩን ንዝኸዱ ካልኣዊ መልክዕ ዝሕዙ ፍልልያት ብመጽናዕትን ብመድረኽ ልዝብን ዘላቒ ፍታሕ እንዳገበረ፡ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ነቲ ቀንዲ ናይ ዕንወትን ብርሰትን ሃገር ጠንቂ ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ጉጅለ ኢሳያስ ብህዝባዊ ማዕበል ንምልጋሱ ምቃለስ`ዩ።

ኣብ እዘን ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ሰሜን-ኣመሪካ በብከተምኡ ዝተጠርነፋ ብዙሓት ከተማታት፡ ብወከልቲ ሽማግለታተን ኣቢለን ክራኸባ ጸኒሐን። ዕላማ ናይ ርክባተን ከኣ ነቲ በብቦትኡ ዝጥርነፍ ዘሎ ናይ ህዝቢ ምልዕዓላት ብደረጃ ሰሜን-ኣመሪካ ንክጥርነፍ ንምልዛብ ኢዩ ነይሩ። ዓሰርተ-ሓደ ከተማታት ብናይ ስልኪ ኮንፈረንስ ተራኺበን ኣብ ዝገበረኦ ናይ ሓበሬታ ምቅይያር፡ ኣብ ዕላማ ይኹን ትሕዝቶ ፍልልይ ዘይብለን ምዃነን ኣረጋጊጸን። ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ እዘን ዝስዕባ ክልተ ማእከላዊ ዕላማታት ብምስምማዕ፡ ኣብ ምዕዋተንን ክዉን ምግባረንን ናይ ሓባር ተግባረ-ስራሕ ክውድባ ተሳማሚዐን።
   

  • ነቲ ድሕሪ መሪርን ነዊሕን ብረታውን ህዝባውን ቃልሲ ዝተረጋገጸ ሃገራዊ ነጻነትን ልዑላውነትን ኤርትራ፡ ካብ ብርሰትን ዕንወትን ንምድሓን፡ ኩሎም ዝተወደቡን ዘይተወደቡን ኤርትራውያን ዓቕምታቶም ኣወሃሂዶም ብሓደ ናይ ዓወት ስትራተጂ ንምልካዊ ስርዓት ጉጅለ ኢሳያስ  ኣብ ምልጋስ ክቐንዕ፣
  • ንኹሉ መልክዓት ምልኪ፡ ጭቆና ወጊድካ፡ መሰልን ማዕርነትን ናይ መላእ ዜጋታት እተውሕስ፡ ብግዝኣተ-ሕጊ እትመሓደር፡ ኣብ ድልዱል ማሕበራዊ ቅሳነትን ምጣነ-ሃብታዊ ሰረትን ናይ ምሉእ ዓቕምታት ሕብረተ-ሰባ እትምርኮስ ቅዋማዊትን ዲሞክራሲያዊትን ኤርትራ ንምርግጋጽ ምቅላስ፣

ኣብ የካቲት 16 ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ዝበጋገስ ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓላት፡ ናህሩ ከይኩለፍን ናይ ምዝሕታል ዕድል ከየጋጥሞን፡ ናብ ደረጃ ዞባ ክብ ኢሉ ክነጥፍ ኣገዳስነቱ ተራእዩ። ተግባራዊ ንክኸውን ድማ ንኩነታት ኣብ መስርሕ ምጅማርን ምቛምን ዝርከባ ብዙሓት ከተማታት ኣብ ግምት ዘእቱ፡ እዚ ዝስዕብ መደባት ሰሪዑ።

  • ካብ ከተማታት ዕላዊ ውክልና ብዘሎዎም ከክልተ ሽማግለ ካብ ነፍሲ-ወከፍ ከተማ ኣብ 5 ሚያዝያ 2014 ብቴለኮንፈረንስ ኣኼባ ንክካየድ። ኣብ`ዚ ኣኼባ`ዚ ከኣ ካብ`ቶም ወከልቲ ሽማግለታት ናይ ሰሜን-ኣመሪካ ኮንፈረንስ እተዳሉ ኣሰናዳዊት ሽማግለ ክትምዘዝ። 
  • ኣብ 5 ሚያዝያ ዝግበር ኣኼባ ከኣ፡ ወከልቲ ሽማግለታት ብዛዕባ ናይ ሰሜን-ኣመሪካ ኮንፈረንስ መደብ ትሕዝቶን (Objectives)፡ ዝግበረሉ ቦታን ግዜን፡ ከምኡ`ውን ንሓላፍነትን መዝነትን ናይ ኣሰናዳዊት ሽማግለ ዝምልከት ተዛትዩ ክውስን።

ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ናብ ዝሰፍሐ ናይ ዞባ ጥርናፈ ዘሰጋግር መደባት ዕዉት ውጽኢት ክህልዎ፡ ነዚ ዝስዕብ መጸዋዕታን ምሕጽንታን ነቕርብ።

  1. እተን ክሳብ ዕለት ሎሚ ዘይተበገሳን ኣብ መስርሕ ዘሎዋ ናይ ሰሜን ኣመሪካ ከተማታት ከሰላሳለኦ ዘለወን ዕዮታት ወዲአን፡ ብዝውክለን ሽማግለታት ኣቢለን ኣካል ናይ`ቲ ኣብ 5 ሚያዝያ ዝካየድ ናይ ወከልቲ ሽማግለታት ቴለኮንፈረንስ ኣኼባ ንምስታፍ፡ ንጊዚያዊት ኣወሃሃዲት ሽማግለ ክሕብራ ነተሓሳስብ።
  2. ስርሓት ክምእከልን፡ ዝተበጽሐ ምዕብልናታት ንምክትታል ክካኣልን፡ ክበርሃልኩም ንእትደልይዎ ጉዳያት ምስ ጊዚያዊት ኣወሃሃዲት ሽማግለ ብኢመይል ወይ ብስልኪ ክትራኸቡ  ትኽእሉ።
  3. ብብዞቡኡ ዝካየድ ዘሎ ናይ ህዝቢ ምልዕዓል፡ ብሓደ ዕላማን ስትራተጂን፡ መሪሕነትን ምስ ዝምእከል ነቲ ዝድለ ለውጢ ተግባራዊ ንምግባር ዝቐለለ ይኸውን። እዚ ዓለም-ለኻዊ ጥርናፈ ቀልጢፉ ንክረጋገጽ ክኽእልን፡ ኩላትና ብሓደ-ደረጃ ክንጉዓዝ ክንበቅዕን፡ ኣብ ኣውሮጳ፡ ኣወስትራልያ፡ ማእከላይ-ምብራቕ ከምኡ`ውን ኣፍሪቃ፡ ተመሳሳሊ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘቕንዐ ህዝባዊ ምጥርናፋት ብደረጃ ከተማታትን ዞባታትን ከተዐውቱ ንጽውዕ። 
  1. ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ፡ ንለውጥን ንፍትሕን
  2. ማሕበር ኤርትራውያን ንፍትሒ – ኢንዲያናፖሊስን ከባቢኣን
  3. ኤርትራዊ ህዝባዊ ጥርናፈ ንድሕነት ሃገር – ሳንድያጎ ካሊፎርናያ
  4. ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንድሕነት ሃገር – ሻርለት ሰሜን ከሮላይና
  5. ኤርትራውያን ኮሙዩኒቲ ንሕግን ንዲሞክራስን – ሃሪስበርግን ከባቢኣን
  6. ህዝባዊ ማዕበል ንድሕነት ሃገር – ዋሽንግቶን ዲሲን ከባቢኣን
  7. ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣንቶርዮ  – ለንደን ኣንቶርዮ (ካናዳ)
  8. ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንለውጠን ዲሞክራሲያዊን ፍትሕን ኣብ ሲንስናቲ ኦሃዮ

 

      ንግዚያዊት ኣወሃሃዲት ሽማግለ ንምርካብ
1. ኣቶ ጸጋይ ነጋሽ          – 303-847-9130    [email protected]
2. ኣቶ ጎይትኦም ኢማም  – 317-332-1584    [email protected]
3. ኣቶ መኮነን ኣብርሃም  – 704-302-4987     [email protected]

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት ኤርትራ!
ምልካዊ ስርዓት ጉጅለ ኢሳያስ ብህዝባዊ ማዕበል ናይ ግድን ክስዓር ኢዩ!

                                                                                                          3/5/2014      

 

 

 

ብሓሶት ምምብጻዕ ንዓና ነውሪ፡ ንውልቀ መራሒና መነባበሪ

ብሓሶት ምምብጻዕ ንዓና ነውሪ፡ ንውልቀ መራሒና መነባበሪ

ካብ ብርሃን ተስፋ
28 ለካቲት 2014

ውልቀ-መራሒና ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ ምሕሳው ተርብሖ እንተመሲላ ንእሙንነት ብድሕሪኣ ዝስዕባ መዓልታት ከይገደሶ መልሓሱ ወርዊሩ ንኽዓጽፍ ድሕር ዘይብል ጉዳመኛ’ዩ፡፡ ሎሚ ኣብ እዋን ዕራርቦ ዕድሚኡ ዝጀመሮ ሕማቕ ልምዲ’ውን ኣይኮነን፡፡ ውልቀ-መራሒና ንምድንጋር ከም ሜላ፡ ንሓሶት ድማ ከም ስልቲ፡ ካብ ዝጥቀመለንሲ ካብ 1970ታት፡ 80ታት፡ 90ታት ከም’ውን ኣብ 2014 ዓመት ካብ 21 ክ/ዘመን ሓሊፈን ኣለዋ፡፡ “ኣመል ምስ መግነዝ” ከምዝበሃል ካብ ብገንኡ ዝለመዶ ስለዝኾነ ሓመድ ድበ ምስተደብየ እንተዘይኮኑ ኣብ ርእሲ መሬት ክሳብ ዝሃለወ ክሓድጎ ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ኣይከኣልን፡፡ 

ኣብ እዋን ብረታዊ ገድሊ ንተጋደላይ ዝጉስጉሰሉ ዝነበረ መብጽዓ ‘ምልዋጥ ኤርትራ ናብ ዓዲ መዓርን ጸባን፡ ወርቅን ጨርቅን፡ ክንገብራ ኢና፡ ከም ጸባ እንዳኣቺ ብምጉዓዝ ዘይኮነ ከም ቦምባ ማይ ነናብ ቤቱ ክንዝርጋሓሉ ኢና፡፡ ንቀጻሊ ወለዶ ናጽነት ጥራይ ዘይኮነ ድሕሪ ናጽነት ንደቅና ዘይሃልቕ ወርቂ፡ ነዳዲን ልችን ክነውርሶም ኢና፡፡ ህዝብና ካብ ድኽነትን ሕሰምን ክነገላግሎ ኢና’ ተባሂሉ ተለፍሊፉሉ፡፡

1991 ናጽነት ክውን ምስ ኮነ ‘ነብሰወከፍ ተጋዳላይ ነቲ ስውእ ይኹን ካብ ብሱል ጥረ ኮይኑ ብሂወት ዝኣተወ ኩሉ ካብታ ንምግዳል ዝወሰነላን ኦርኒክ ዝመልኣላን ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት ናጽነት 24 ግንቦት 1991 ንመዓልቲ ሓደ ናይ ኣመሪካ ዶላር ሞስኡ ክሕሰበሉ ኢዩ’ ተባሂሉ ተገሊጽሉ፡፡ እቲ ጅግና ወዲ ህዝቢ ተጋዳላይን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራን ግን ነታ መወዳድርቲ ዘይብላ ክብርቲ ሂወቱ ወፊዩ ዝተጋደለን ዝወሰነን ካብ ሃገሩን ህዝቡን ዝጽበዮ ካልእ ፍሉይ ሞሳ ወይ ካሕሳ ኣይነበረን፡፡ ተጋዳላይን ህዝብን ኣማዕዲዩ ዝሪኣን ናብኣ ክበጽሕ ብኹሉንትንኡ ዝተቓለሰላን ዝነበረ ናጽነትን ምትካል ዴሞክራስያዊት ኤርትራን ጥራይ ኢያ ነይራ፡፡ ነዚኣ ብምርግጋጽ ከም ኩሉ ህዝቡ ክሓልፈሉ ደኣምበር ንበይኑ ክብልጽግ ምንዮት ኣይነበሮን፡፡ ነዚኣ ከረጋግጽ ድማ ገድልን መስገደልን ሓሊፉ ከምዝበጽሓ ኣሚኑ ኣብ ልዕሊ ጥሙይ ከብዱ፡ ጽሙእ ጎረርኡን ዕሩቕ ዝባኑን ንመስዋእቲ ተቐዳዲሙ ኣረጋጊጽዋ፡፡

ትጽቢት ተጋደላይ ህዝባዊ ግንባር ነታ ከም ማይ ጽምኢ ዝሃርፋ ዝነበረ ናጽነት ሃገሩ ድሕሪ ምርግጋጽ ምስ ህዝቡ ብሓባር ክሓልፈሉ ቅዋማዊ ስርዓቱ ከንግስ ደኣ’ምበር ብዋጋ መስዋእቱን ቃልሱን ብገንዘብ ዝትመን ካሕሳን ካብ ህዝቡ ዝተፈልየ ሓለፋታትን ክረክብ ሕልሚ ኣይነበሮን፡፡ ባዕሉ ጉጅለ ህግደፍ ግን ንስውእን ህልውን ተጋደላይ መዓልታዊ  ብዶላር ዝሕሰብ ከምዝኽሕሶ ምስ ኣውረየሉ ብመብዛሕትኡ ተጋዳላይ ሂወትና ብዋጋ ናጽነትን ዴሞክራስን ደኣ’ምበር ብዋጋ ሰልዲ ክጽብጸብ የብሉን ብምባል ብዙሕ ትርጉም ዋላ እንተዘይገበረሉ ካብ ተብሃለስ ሕራይ ኢሉ ድሕሪ መግለጺ ህግደፍ ሓቂ መሲልዎ ዕድመ ገድሉ ብዕለታት ኣብ ምጽብጻብን ንዝበጽሖ ዶላርን ሸርፊ ሽዑ ናብ ዝነበረ ብር ኢትዮጵያ ኣብ ምሽራፍ፡ ኣብ ምድማርን ምርባሕን ከምኡ’ውን መዓልኡ ኣብ ምንታይ ከምዝኾንን ኮፍ ኢሉ የሰላስል ውጥናት ክሕንጽጽ ይውዕልን ይሓድርን ነይሩ፡፡

እንተኾነ ግዳ “ኣይ ሰሙን ኣይሳልስቲ” ከምዝበሃል ተጋደላይ ን4 ዓመት ብዘይዝኾነ ክፍሊት ክጋደል ከምዝጸንሖ ሕጂ’ውን ብዘይዝኾነ ክፍሊት ክጋደል ብካሴት ዝተቐርጸ ናይ ውልቀ-መራሒ መግለጺ ወጺኡ ናብ ኣሃዱታት ምስተዘርገሐ፡ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ዝነበሩ ኣሃዱታት ውዕውዕ ማሕበረ-ቑጠባዊ ትሕዝቶ ዝነበሮ ተቓዉሞ ኣልዓሉ፡፡ 20 ግንቦት 1993 ንጠለባት እቲ ተቓዉሞ ምላሽ ክህብ ብኳሌትኡ ተሓኒቑ ናብ ቅድሚ ተቓወምቲ ዝቐረበ ፕረዚዳንት ‘እዛ ሃገር ጥራሓ ስለዝጸነሐትና ዝወሃብ ስለዘይብላ፡ እዚ መምርሒ ኣውሪድና ነይርና ሕጂ ግን ስለዝዓመጽኩም ንካልኦት መደባት ዓጺፍና ክንህበኩም ክንግደድ ኢና’ ኢሉዎም፡፡ እቲ ንሕድሕዱ ተጋደላይ ካብ ዝተጋደለሉ ዕለት መዓልታዊ $1USD ተባሂሉ ዝተገልጸሉ መብጽዓ ባዶ ምንባሩ ዘግሃደ ኣጋጣሚ ምንባሩ ግን ተረጋገጸ፡፡

ካብ 1996 ክሳብ 1997 ውልቀ-መራሒና ካብ ነብሰ-ወከፍ ኣባል ምክልኻል ኤርትራ ካብ ወርሓዊ ደሞዙ በቢኸፊል ዝቑረጽ 2,000 ብር ከምዝቑረጽ ትእዛዝ ኣውሪዱ፡፡ ናይዚ ምኽኒት ኣብ ብርክታት መኽሰብ ዘለዎም ወፍርታት ብስምኩም ኣውዒልና ምቅሊትኩም በብእዋኑ ከምትረኽቡ ክንገብር ኢና ብዝብል ነይሩ፡፡ እንተኾነ ግዳ ይትረፍ’ዶ እቲ ዝተብሃሎ ምቅሊት ወፍሪ ክረክብ፡ ሰራዊት ብጥበራ ዝተዘምቶ ገንዘቡ’ኳ ኣበይ ከምዝኣተወ ክሳብ ሎሚ ኣይተነግሮን፡፡

ኣብ ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ ዝጀመረ ብድሕሪኡ’ውን ዝቐጸለ ካብ ሓለፍቲ ቦጦሎኒ ንላዕሊ ዘለው ተጋደልቲ ኣባይቲ ከምዝዕደሎም ተነጊርዎም ቅጥዕታት መሊኦም፡ ክቕመጥሉ ዝደልይዎ ቦታ (ከተማ) መሪጾም፡ ናይ ዝዕደሎምን ዝስረሓሎምን ገዛውቲ ስእልታት ሪኦም፡፡ እንተኾነ ግና ዘረባ ኣባይቲ ሽዑ ምስተቐልቀለ ንደሃዩ’ኳ ሃጢሙ ተረፈ፡፡ ውሕዳት ሰብ-ግዜ ላዕለዎት ሰበስልጣናትን ወተሃደራውያን ገበርቲ ሓደግትን ግን ንኣባይቲ ዝተሰጉ ኢትዮጵያውያን ሴሮም ኣትዮም፡ ወይ ከኣ ስቪል ኤርትራውያን ዜጋታት ንዘመናት ሒዞምዎ ካብ ዝጸንሑ ናይ ቀደም ኣባይቲ ብሓይሊ ብምብራር ባዕላቶም ሰፊረሞ፡፡ “ምውጋን” ብዝብል ስም ጽባሕ ዘይወግሕን ሕጊ ተዓቢጣ ትነብርን መሲልዎም ብስሞም ይውገነሎም ኣሎ፡፡   

ድሕሪ መወዳእታ ኩናት ምስ ኢትዮጵያ ካብ 2001 ክሳብ 2003 ኣብ ዝነበሩ እዋናት ውልቀ-መራሒና ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ መወዳእታ ኩናት ንዘጋጠሞ ውርደት ንምክሕሓስን ዓጸፋ ንምምላስን ሰራዊት ኣብ ጽዑቕን ቅድሚኡ ዘይተረኣዩ ወትሃደራዊ ታዕሊማትን ስትንፋስ ዘይህቡ ልምምዳትን ዝተጸምደሉ ፍሉይ እዋን ነይሩ፡፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ሞራል ሰራዊት ክብ ንምባል ተባሂሉ ንነብሰ-ወከፍ ኣባል ሰራዊት ነቲ ተጋደላይ 7,000 ናቕፋ ነቲ ኣባል ሃ/ኣገልግሎት ድማ 5,000 ናቕፋ ንሕድሕድ ዓመት ኣብ ባንኪ ክቕመጠሉ ምዃኑ ብግልጽን ብስቱርን ቃል መብጽዓታት ተኣቲይሉ፡፡ ግና ተጋዳላይ ኮነ ዋርሳይ ክሳብ’ዛ ሎሚ ዕለት ምስ ኩሉ ትጽቢታቱ ማይ ዓሚኹ ተሪፉ፡፡

ሕጂ’ውን ኣብ 2008 ውልቀ-መራሒና ያኢ ሓላይ ሰራዊት ክመስል ዝኣተዎ መብጽዓ ንቦኹሪ ውላድ ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ 150 ንትሕቲ ቦኹሪ ውላድ ዝኾኑ ደቁ ይብዝሑ ይውሓዱ ብዘየግድስ ንሕድሕዶም 100 ናቕፋ ወርሓዊ ደወሞዝ ከምዝግብረሎም ኣዊጁ፡፡ ኣብ ውሕዳት ኣሃዱታት’ውን ጀሚሩ እንተኾነ እዚ መብጽዓ’ዚ’ውን ከምቶም ቀዳሞት መብጽዓታት ኣብ ከውሒ ከም ዝፈሰሰ ማይ ሃፊፉ ተሪፉ፡፡

ምስ ምጅማር ዕደና ወርቂ ቢሻ ተኣሳሲሩ እቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ክውንነትን ምጽማምን ኤርትራውያን ብፍላይ ኣባላት ሰራዊትና ከብቅዕ’ዩ፡፡ ምብርባር ዕቑር ጸጋታት ሃገር ክጅመር እዩ፡ ኢሉ ውልቀ-መራሒና ኣበሲሩ፡፡ ዝተፈረመ ውዕል ዕደና ድማ ብመኽሰቡን ንረብሓ ሃገር ዘቐድም ብምኻኑን ኣብ ኣፍሪቃ መዳርግቲ ከምዘይብሉ ንህዝብን ሰራዊትን ተመዲሩ፡፡ ምሕፋስ ሞሳ ዓመታት ባርነት ከምዘብቀዐ’ውን ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገርና ኣጋዊሑ፡፡ እንተኾነ ግዳ ህዝብን ሰራዊትን ሎሚ’ዶ ጽባሕ ንካሓስ እንዳበለ 4 ዓመታት ምስተጸርገፈ፡ ውልቀ-መራሒና ኣብ ቃለ መሕተቱ ክራማት 2013ን ዕደና ቢሻ ዘይከምቲ ኣቐዲሙ ዝበሎ ሞሳ ህዝብን ሰራዊትን ዝፈዲ ዘይኮነስ ንዓመታዊ ወጻኢታት ነዳዲ ሃገር’ኳ ከምዘይሽፍን ገሊጹ፡፡ እቲ ካድራቱ ካብ ኣፍሪቃ እቲ ዝበለጸ ውዕል ዕደና እናበሉ ባዶ ጃህረኦም ይነዝሕሉ ዝነበሩ ከኣ ዝደኸመን ንሃገራዊ ረብሓታት ዝሃሲ ውዕል ዕደና ብምዃኑን ክኽለስ ከምዝግበኦ እቲ ውልቀ መራሒ ባዕሉ ተናዚዙ፡፡ ካድራቱን ሚኒስተራቱን ክጀሃሩ ንሱ ከፍርስ ኣብ ምርብራብ ከምዝርከቡ መቸም ኩሉ የስተብህለሉ ከምዘሎ ጋህዲ እዩ፡፡ 

ኣብ 2011 ውልቀ-መራሒና ቅድሚኡ ካብ ዝጸንሐ መብጽዓታቱ ብትሕዝቶኡ ዘይኮነስ ብመልክዑ ዝተፈልየ ሓዱሽ ዝመስል መብጽዓ ኣምጺኡ፡፡ ገንዘባዊ መብጽዓታት ጌርካ ምትላል ኣድማዕነቱ ከምዝጎደለ ምስተሰቆሮ፡ ነዚ ንምብዳህ ብዓይነታዊ መልክዕ ተመባጺዑ፡፡ ንሕድሕድ ኣባል ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዓመት 3 ግዜ ዝዕደል ሓደ ኩንታል ምሸላ፡ 10 ኪሎ ሽኮር፡ 10 ኪሎ ዓደስ፡ 10 ሊትሮ ዘይቲ ንስድራቤቱ ኣኣብዘለውዎ ከምዝዕደል ቃል ኣትዩ፡፡ ሓላፍ ዘላፍ ዝኾነ ዕደላታት እውን ተጀሚሩ ነበረ፡፡ እንተኾነ ግዳ እቲ ኣብ ዓመት 3 ግዜ ዝተብሃለ፡ ኣብ 3 ዓመት ሓደ ግዜ’ውን ብዘይምትግባሩ መብጽዓ ውልቀ-መራሒ ዘይጭበጥ ሆቦብላ ንፋስ ኮይኑ ነፊሱ ተሪፉ፡፡

ድሕሪ’ዚ ውልቀ-መራሒና ኣብ 2012/13 ኣብ ሞንጎ ብካልእ መብጽዓ ክዘናግዕ ድሕሪ ምጽንሕ እንደገና ናብታ ናይ ቀደም ዓይነት መብጽዓኡ ተመሊሱ፡፡ ነቶም መቑረኒታቶም ደደርብዮም ጠጠንጢኖምዎ ዝፈራረሱ ዘለው ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ከዳናጒ ግዲ ኮይኑ ንነብስ-ወከፍ ኣባል ሰራዊት 50,000 ናቕፋ ስለዝዕደል ትመርጽዎ ባንካታት ኣፍልጡና፡ ንዝወጸ ሓደስቲ ቅጥዕታት ምልኡ፡ ታሴራ ዘይብልኩም ታሴራ ተቐላጢፍኩም ኣውጽኡ፡ እንዳተብሃለ ሰራዊት ላዕልን ታሕትን ክብል ገይርዎ፡፡ እንተኾነ ብናይ ሎሚ 50,000 ናቕፋ ሰራዊት ብዙሕ ሕጉስ ዋላ እንተዘይነበረ ቁሩብ ጽንሕ ኢሉ እቲ ወረ ናብ 5,000 ናቕፋ ወሪዱ ንሱ’ውን ግን ከይዱ ከይዱ ካብ መወዳእታ 2012 ጀሚሩ ዝተወርየ ክሳብ ሕጂ 50,000 የለ 5,000 ባዶ ገረወኛ ኮይኑ ተሪፉ፡፡

እቲ ንእሽቶ ዘይሓንኽ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሰራዊትን ክቱር ንዕቀትን ብደዐን ዘለዎ ውልቀ-መራሒና ኣብ ናይ 09 ለካቲት 2014 ቃለመሐተቱ ነቲ ምእንቲ’ዛ ሃገር ከርተት ዝብል ዘሎ ዜጋ ኣባይቲ ክንሃንጸሉ መደባት ሓንጺጽና ኣለና ዝብል ሓዱሽ መብጽዓ ክኣትወልና ሰሚዕናዮ፡፡

ሕድሕድ ዝተገልጹን ዘይተገልጹን መብጽዓታት ተኣማንነቶም ንምሕያል ዝዳለዉሎም ጉልባባት ረዘንቲ እዮም፡፡ ንኣብነት ኣብ ባንኪ ብኣስማትኩም ሰልዲ ክነቕምጠልኩም ስለዝኾና ሓደስቲ ቅጥዕታት ምልኡ፡ ታሴራ ኣውጽኡ፡ ትመርጽዎ ቀረባኹም ባንኪ ኣፍልጡና  ዝብል ሓያል ሽፋን ምድላው ናይ ውልቀ-መራሒና ናይ ማፍያ ምሁሮን ተሞኩሮን ኣዝዩ  ሓያል ምዃኑን ንዓለምና ክፍኣት ከምህር ብቕዓት ከምዘለዎ ካብ ዘረጋግጹ ጉዳያት ሓደ ምዃኑን ክውሰድ ይከኣል፡፡ 

     ካብ ሓሶትን ምድንጋርን ውልቀ-መራሒና ዝያዳ ዘስደምም ግን ናትና ግርህነት’ዶ ንበሎ ዕሽነት’ዩ፡፡ ዝቐደመ መብጽዓታት ከይተፈጸመ ንሓዱሽቲ መብጽዓታት ንጽበ! ጠንቂ ናይ’ዚ ከኣ ምርሳዕ ድዩ? ዋላስ እንታይ ኢዩ ዓንዚዙና? ኣይርደኣካን፡፡ ንጠንቀቅ ኣሕዋት! ክንርስዕ፡ ክንርስዕ፡ መንነትና ከይነጥፍእ፡፡   

 

 

 

 

 

ኣቶ ተስፋማርያም ወይ ኣቶ መሲና

ኣቶ ተስፋማርያም ወይ ኣቶ መሲና

ኣቐድም ኣቢለ ሰላምታይ የቕርበልካ፡ ኣስዕብ ኣቢለ ንዝጀመርካዮ ተገዳስነትን፡ ሓልዮትን፡ ብጉዳይ ቛንቛ ትግርኛ ከመስግነካ ይፈቱ። 
ድሕሪ ሓገርና መርየት ነጻ ምውጻኡ፡ ሓዳስ ኤርትራ ዝብል ጋዜጣ ምስጽሓፍ ጀመረ፡ እንተኾነ፡ “ከይ በቖለ ሓረረ “ ከም ዝብሃል፡ ቛንቛ ትግርኛ ናብ ምብራስ ገጹ ክኸይድ ርኣናዮ።

ቛንቛ ትግርኛ፡ ክፈርስ ዝጀመረ ግን “ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ” ካብ ዝምስረት ምኻኑ ንዝፈልጥ ይርድኦ እዩ። ብዝጀምርካዮ ኣጽኒዕካ ክትቅጽሎን፡ በብንኽእሎ ንምትሕብባር ግን፡ ናይ ኩሉ ዜጋ ግዴታ እዩ። ሓዳስ ኤርትራ ጋዜጣ ንባብ ካብ ዝገድፎ 1994 እዩ።

“ሃላኺ”  ዝብል ቃል ህግሓኤ፡ ኣብ ቦታኡዶ! ኣእትይዎ ይመስለካ? እቲ “ ሸመታ” ዝብልከ! ኣበይ ኮን ይኸውን ቦታኡ?

መልስኻ እናተጽበኹ እየ።

ደጊመ የምስግነካ ዝንኣድ ስራሕ ብምጅማርካ፡ ቛንቛ መንነት ሓደ ሕዝቢ እዩ። ወግዒ ኣነባብራኡ ዝገልጸሉ፡ ኣብ ሓጎስ ኮነ፡ ኣብ ጸገም፡ ዝነባበረሉ፡ ታሪኹን ባህሉን ዝዕቅበሉ፡ መስትያት መንነቱ ብቛንቛ እዩ ዝገልጸሉ።

ብሰላም የራኽበና
ሓውካ
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና

 

 

 

ምሕጽንታ ንኹሎም ወነንትን ኣካየድትን መራኸቢ ብዙሃን[media]ደምበ ተቃውሞ !!

ምሕጽንታ ንኹሎም ወነንትን ኣካየድትን መራኸቢ ብዙሃን[media]ደምበ ተቃውሞ !!

ንህዝብና ኣጽኒቱ ንሃገርና ብምብራስ ታሪኽና ነበረያ ነበረ ክገብር ብንግሁኡ ዘንቀደ መራሒ ህግደፍን ገበነኛታት ኣጫፈርቱን፡ዕላማኦም ኣብ ምትግባር ብሰሪ ኣፍሉጦናን ንቅሓትናን ነንሕድሕድና ብምንቋት ንተሓባበሮም ምህላውና ንዘስተውዕል ዘይጠፋኦ እኳ እንተኾነ፡ ቀዳምነታት ሰሪዕካ ንድሕነትና ምቅላስ ዓቅምን ብቅዓትን እንከለና ሰኣን ንልብና ሰሚዑ፡ ንሃንቀውታና ተረዲኡ ብልሳንና ተዛሪቡ ዝቅልሰና ብቁዕ መርሒነት እንሆ ኣብ ደንደስ ጥፍኣት ተንጠልጢልና ንርከብ ።

ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ተበቲና ብማይ ቀጠነ ክንመናጨት ሱቅ አሉ ዝዕዘበናን ክንሃድእ እንከለና ብኣብ ውሽጥና ዝዓሰቦም፡ ብኢድ ኣዙር ዘስንቆም፡ ላምባን ክርቢትን ኣቀቢሉ ናይ ቃላት ኲናት ብምብራዕ ተስፋ ቆሪጽና ንህግደፍን ደምበ ተቃውሞን ብማዕረ ጸሊእና ነብስና ካብ ቃልሲ ከም እነግልል ዝገብረና እከይ ብልሓት ፣ ኣሹንኳይ ዝወቅዖ ትንዕ ዝብሎ እውን ስለ ዘይረኸበ እንሆ ኣጣጢሑ የባድመና።

ብኣካል ሃሉ ኣይተሃሉ እንድሕር ክቡር ባህልኻ ተበሪዙ፡ መንነትካ ተበሊሉ፡ ተስፋኻ ማህሚኑ፡ ኣኸለ ዝተረፈ የለን። ዋላ እኳ እቶም ዝተሰደድና ዘለና መሲሉና መልሓስና እንተውለብለብና ፡እቶም ኣብ ዓዲ ዝተረፉ እውን ብዓሕን ዒሕን ትልኽ እንተበሉ ፡ ካብ ትውልዲ ዓዱ ዝተነቅለ መምለሲ ስለዘይብሉ ፡ ክብረቱ ዝተመንዘዐ እውን ኣካሉ እምበር መንፈሱ ከምዝሞተ ብንጹር ክስወጠና ኣለዎ።

ሎሚ ኲናት መልክዑ ቀይሩ ዘይከምቀደም መሳርሒ ውግእ ብዓረርን ቦምባን፡ ነፈርትን ታንክታትን ዓጢቅካ ዘይኮነ ናብ ተክኖሎጂ መራኸቢ ብዙሃን ካብ ዝልወጥ ነዊሕ እዩ ገይሩ። ሓጸልጸል ዝብል ሓጺነ-መጺንን ንዑኡ ዘንቀሳቅሱ ሰራዊትን መሰነይታ እዩ ኮይኑ ። መራኸቢ ብዙሃን ዝተፋኦ መርዛም ቃላት ካብ ዝፍንጀሩ ቦምባታት ይበልሕ ፡ ቃንዛኡ እውን ይመርር፣ ሕንዙ ካብ መርዚ ባሩድ ብዝኸፍአ ኣእምሮ የልምስ። ኣብቲ ብኣጽዋር መራኸቢ ብዙሃን ዝካየድ ዓውደ ውግእ ኣብ ሆስፒታላት ዝሕከሙ ቁሱላት፡ ኣብ ጎዳጉዲ ዝቅበሩ ምዉታት፡ ኣብ ማእሰርቲ ዝሕበሱ ምሩኻት ኣይትርእየሉን። እንተኾነ እቲ ካብ ኖጎዳ መድፍዕ ዝብርትዕ ማይክሮፎናት ዝውንጭፎ ተምዘግዛጊ ቃላት ከም ምጾኦታት የንቀጥቅጥ። ሓንሳብ በኒኑ ዘይቅህም ፣ ኣብ መኽዘናት አለክትሮኒክስ ተዓቂቡ ብምጽናሕ እናሻዕ ስለዝንዛሕ ዝሃድእ ኣይኮነን። ስሕለቶም ዘይጎድም ብርዕታት ኣብቲ ከም ሰማይ ደረት ኣልቦ ዝስፍሓቱ ወረቃቅቲ በቲ ክንዲ ማያት ውቅያኖስ ዝብዝሑ ቀለም ኣብ ናይ ኢንተርነት መርበባት ምስተወቀጠ ካብ ካልኢት ብዝሓጽር ናይ ቋሕ ሰም ግዜ ካብ ጻት ንጻት ክዝርጋሕን ክራባሕን ብእኡ መጠን ንኣእሙሮ ሰማዕትን ኣንበብትን ምሩኻቱ ገይሩ ጅሆ ብምሓዝ ብዘይዱጓና ክኹርኩሞም ንርእዮ ኣሎና። መንፈሶም ደሚዩ ብሞራል ሞይቶም ሕልነኦም በዲኑ ቀባሪ ዝሰኣኑ ግዳያት መዲያ ቤተ-ሰቦም ንቡር ምጽንናዕ ኣይረኽቡን ። ናይዚ ዓውደ ኲናት እዚ ቁሱላት መኣዝኖም ኣጥፊኦም በቲ ዕንብረ ወረን ዶሮና በለካ ለኽዓካን ተዓብሊኾም ከም ዘዕነንዉ መርትዖ ዘድሊዮ ኣይኮነን ።

መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፍና ዓይንን እዝንን ብቀሊሉ ብምብጻሕ ናብ ኣእምሮና በሲዑ ኣትዩ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻሩ ካብ ዝገብረና ኣትሒዙ ነዚ ጸጋ እዚ ዝወነኑን በዚ ሞያ እዚ ዝሰልጠኑን ንህዝብታት ዓለምና ናብ ድላዮም ክገላብጥዎን ኣብ ቃሕ ዝበሎም መዓላ ከም ዘውዕልዎ ኩላትና ግዳያቱ እንፈልጦ ሓቂ አዩ። ብሰሩ ኣህጉራዊ ናዕብታት ተሳዊሩ፡ ሃይማኖታውን ቀቢላውን ምጭፍጫፋት ተወሊዑ፡ ስሰዐን ብሕትውናን ሰማይ ዕሪጉ፣ እታ ተሳኒና ክንነብረላ እኹል ጸጋ ዝዓቆረት ዓለምና ተናዊጻ። ዕዳጋ መራኸቢ ብዙሓን ስለ ዝሰሰነ ሰብ ብርኪ ክጽልምት እንከሎ ተኾሊዖም ይረኣዩ ኣሎዉ።

ናይ ህግደፍ መራኸቢታት ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ ህዝቢ ከም ጣኦት ከምልኾ ለይትን ቀትርን ብምስራሕ ዝተመጽወተ ሞባእ ካብ ኣብያተ ጸሎት ክምንዝዕ፡ ንቅዱስ ስፍራታት ከራኽስ፡ ንመንፈሳውያን መራሕቲ ሃይማኖት ክሕይር ኣኽኢልዎ። ሎሚ ኪንኡ ብምምጥጣር ንድኻምና መዝሚዙ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ሰሊኹ ብምእታው ብዘፍለሶም ዘርኢ ክርዳድ ናይ ብርዒ ኣስማት እናተጠቅሙ ኣብ ኣእሙሮን ስምዒትን ህዝብና ዘየሎ ናይ ዓለትን ወገንን ምፍልላያት ስሒሉ ነንሕድሕድና ከም ዘይንተኣማመን፡ ኣብ ሃበስ ቀደስ ዝዓይነቱ ቆይቊ ተሸኺልና ጸላኢና ከም ንርስዕ ገይሩና ኣሎ።

ንዕላማኻ ምውፋይ ትብዓት እኳ እንተኾነ ቀዳምነትካ ምፍላጥ ድማ ብልሒ አዩ። ናብ ዕላማኻ ኣቶኲርካ እትሰርሓሉ ሕንጻጽ እንተዘይሃሊዩካ ምስ ማዕበል ተገሪዝካ ክትከይድ ይኹን ናብ ጓል መገዲ ክትእለ ገፊሕ ተኽእሎ ኣሎ። ንስኻን ዕላማኻን ምስወገንካ ዘለካ ምጥዕዓም ዝመዝኖ ዝበዝሐ ህዝቢ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ።

ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ መራኸቢ ብዙሃን ደምበ ተቃውሞ ግዜ ዝወሰደ እኳ እንተኾነ ሎሚ ግን ልዕሊ ዝኾነ እዋን ተጓሃሂሩ ልቢ ደለይቲ ፍትሒ ብምስንባር ናብ ተስፋ ምቁራጽ ከየምርሕ የስግእ ኣሎ። ህግደፍ ዕድመ መዋእሉ ጸንቂቁ ትልኽ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን መድያ ደምበ ተቃውሞ ትንፋስ ይሰኹዓሉ ኣሎዋ። ስለዚ እዋናዊ ህጹጽ ምሕጽንታና ፡

መራኸቢ ብዙሃን ደምበ ተቃውሞ
-ሕጂ ነንሓድሕድኩም ምጥቅቃዕ ብዘይ ቅድመ ኩነት ጠጠው ኣብሉ
– ምእንጋድ ተጻባእቲ ውልቀ ጽሑፋት ኣቋርጹ
– ብርዕኹም ኮነ መጉልሕ ድምጽኹም ኣንጻር ህግደፍ ይቅናዕ
– ኣብ ናይ ሓባር መኣዲ ዘተ ብምስታፍ ብኩሉኹም ብእትቅበሉዎ ናይ ሓባር መምርሒ ስራሕ ንምዕያይ ድልውነትኩም ኣመስክሩ ።

በዚ ኣጋጣሚ እዚ
-ኩሉኹም መራሕቲ ውድባትን ሲቭክ ማሕበራትን ንድልየትኩምን ድሌት ውሑዳት ሰዓብትኹምን ዘይኮነ ንባህጊ ሓፋሽ ህዝብኹም ብምምእዛዝ ሕድሕዳዊ ምቱኹታኽ ኣቋሪጽኩም ቃልስኹም ኣንጻር ህግደፍ ይኹን ።
-ኤርትራውያን ምሁራትን ሞያውያንን ንመራኸቢ ብዙሃንና እትምእዝኑሉ እዋን በሲሉ ኣሎ እሞ ህጹጽ panel discussion ብምክያድ ንኹለን መድያታትና ዝጠምር ስነምግባር code of ethics ንምድንጋግ ተሸባሸቡ።
-ክቡር ሓው ዶክተር ተስፋማሪያም [ወዲ ቫካሮ] ከተካይዶ ናይ ዝጸናሕካ ዑደት ንሓድነት መቀጸልታ፡ ሞያውያንን ሰብ ተመኩሮን ጸምቢራካ ናብ ምውህሃድ መራኸቢ ደምበ ተቃውሞ ኣቅንዕ ።
-ኩሉ ዝሓለፈ በደልን ብጠንቁ ዝሰዓበ ጽልእን ምእንቲ ወጽዓ ህዝብና ግዜን ኩነታትን ንምረጸሉ። ንዕኡ እተጻሪ ሕጋዊት ኮሚተ ወጺኣ ክሳብ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ፍታሕ ዝወሃቦ ካብ ምጽሕታሩ ንቆጠብ።
-ፋሕ ኢሉ ዘሎ መራኸቢታትና ተጠራኒፉ ዓቅምታቱ ብምውህሃድ፡ ኣንጻር ህዝብናን ሃገርናን ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ዝሰርሓሉ ባይታ ንምጥጣሕ፡ ንእዋናዊ ጠለብ ምትዕራቅን ምስማርን መራኸቢ ብዙሃና ዘተኣናግድ ሃዋህው ንምፍጣር፡ ኩሉ ግዱስ ደላዪ ፍትሒ ይጠቅም ዝበሎ ሓሳብ ንኸቅርብ፡ ከም መበገሲ ንመዛተዪ ኣርእስቲ ወሲድና ከነቅርቦን ሃናጺ ርእይቶና ከነፍስስን ብኽብሪ ግዜ ይዕድመና ኣሎ።

መተሓሳሰቢ

ነዚ ምሕጽንታ እዚ ኩለን መራኸቢ ብዙሃን ደምበ ተቃውሞ ካብ ዝረኸባኦ ዌብሳይት ወሲደን ኣብ ገጻተን ክልጥፈኦ ብመጉልሕ ድምጸን ከቃልሕኦ፡ ናብ ኩሉ ኤርትራዊ ዝርደኦ ቋንቋ ከም ዘለዎ ተርጒመን ከቅርበኦ ሃገራዊ ሓላፍነተን ምዃኑ ይላቦ።

መስመር ዋህድ

 

 

 

 

ኢሳይያስ ቅድም ቀዳድም ምስ ነብሱ ክዕረቕ ይግባእ!! – ቀዳማይ ክፋል

ኢሳይያስ ቅድም ቀዳድም ምስ ነብሱ ክዕረቕ ይግባእ!!

ቀዳማይ ክፋል

ገባቲ ኢሳይያስ ብባህርያቱ ካብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ውሽጢ ህግደፍ፡ ብፖሎቲካዊ ውድባት ኤርትራ ዝለዓሉ ብጣዕሚ ተራ ዝኾኑ ካልኣውን ሰላማውን ሕቶታት ኣብ መኣዲ ዘተን ልዝብን ቀሪቡ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ተዓዲሉ ኣይፈልጥን’ዩ። ህላወ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ብግንቦት 1991 ካብ መላእ ሃገርና ተጸረጉ፡ ብድሕሪ ምሕራር ኤርትራ ብ20 ሰነ ብ1991 ንድሌት ህዝቢ ቆጽዩን ንሕድሪ ሰማእታት ክሒዱን ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምህናጽ ተሓሲሙ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ብስም ፖሎቲካዊ ውድባት ዝግበር ሓሸውየ ኣይፍቐድን’ዩ ካብ ዝብል ኣዕናዊ ኣዋጅ ዘሊሉ፡ ኣንጻር ዝተፈላለዩ ሓይልታት ጨካን ኲናት ሕድሕድ ምክያዱ ይፍለጥ። ብ1993 ደሞዝ ይገበረልና ብዝብል ብተጋደልቲ ህ/ግንባር ዝተላዕለ ኣድማ፡ ብ1994 መነባብሮ ይመሓየሸልና ብዝብል ብኣካለ-ስንኩላን ዝተበገሰ ሰላማዊ ሰልፊ ብዓመጽ ምፍትሑ ታሪኽ ንባዕሉ ዓቢ ምስክር’ዩ። ብ2002 ቅዋም ክትግበርን ለውጢ ክረጋገጽን ብላዕለዎት መራሕትን ሚኒስተራትን ህግደፍ (ብጉጅለ 15) ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ንዝቐረበ ሰላማዊ ሕቶታት ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ ሂወቶም ብኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ዘይሕጋዊ ፍርድን ክስወሩ ዝፈረደ’ዩ። ከምኡ’ውን ብተመሳሳሊ ንለውጢ ዝጠልብ ብጥሪ 2013 ዝተላዕለ ምንቅስቓስ፡ ዝተዋህበ ምላሽ ካብኡ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ከምኡ’ውን ኣብቲ ሕ/ሰብ ዓቢ ተሰማዕነት ዘለዎም ብዙሓት ዓበይቲ ዓዲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣገደስቲ ባእታታት፡ ብዝተፈላለየ ምክንያታት ንዓመታት ዝተሰወሩ ምህላዎም ዝኸሓድ ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። ኢሳይያስ ካብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ ዝለዓሉ ሕቶታት ብዓመጽን ሓይልን ጥራይ ዝፈትሕ ክሳብ ዝኾነ፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ርሑቕ ዝርከቡ መንግስታት፡ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት፡ ማሕበራት፡ ውድባት፡ ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሕ ምሕሳብ የዋህነት’ዩ።              

እንሆ ድማ እቲ ብዶብ ተመሳሚሱ፡ ብ1998 ብገባቲ ኢሳይያስን ጸረ ህዝቢ ስርዓቱን ምስ ኢትዮጵያ ዝተባረዐ ኲናት ምፍታሕ ተሳኢንዎ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ክመልእ ተቐራሪቡ። ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክባራዕ ዝኾነ ይኹን ብቁዕ ምክንያት ብዘይምንባሩ፡ ሳዕቤናቱ’ውን ሓደገኛ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምግንዛብ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ኢሳይያስ ምስ ጭፍርኡ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝቐርበሉ ዝነበረ እማመታት ሰላም ተሓሲሙ፡ ብማእለያ ዘይብሉ ጃህራታትን ፈኸራታትን ንኣዕናዊ ኲናት ጥራይ ተሃንደደ። ካብ ኲናት ዕንወት እንተዘይኮይኑ፡ ቅንጣብ ምዕብልናን ግስጋሰን ክጭበጥ ስለ ዘይኽእል ድማ፡ ውጽኢቱ  ሂወት ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ዕሸላት መንእሰያት ኤርትራ ብምብላዕን ምስንካልን ጥራይ ክድረት ኣይኸኣለን። ኢሳይያስ ሕውነታውን ስትራተጂካውን ዝምድናታት ክልቲኡ ኣህዛብ በጣጢሱ፡ ኩሉ ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ዲፕሎማስያውን ረብሓታቶም ብዘይዝኾነ ትርጉም ንዓመታት ክዘልቕ ፈሪድዎ ይርከብ። ብስንኪ’ዚ ኣዕናዊ ፖሊስታቱ ከኣ፡ ኤርትራ ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ኣህጉራዊ መድረኻትን ተነጺላ፡ ናብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ክትወድቕ፡ ህዝቢ ከርፋሕ ዝኾነ ሂወት፡  መነባብሮን ድኽነትን ከሕልፍ ተገዲዱ ኣሎ። ኢሳይያስ ኣብ ክንዲ ፖሊስታቱ ምዕራይን ንህዝቢ ኤርትራ ይቕሬታ ምሕታትን ግን ኩሉ ግዜ ነብሱ እናሕበጠ፡ ጠንቂ ኩሉ መዳያዊ ዕንወቱን ፍሽለቱን ጎረባብቲ ሃገራት ወይ ምሕደራ ኣሜርካ’ዮም ብዝብል ዘቕርቦ ናይ ሽሕጣን ስነ-መጎት ኣዝዩ፡  ካብ ሓቅነትን ክውንነትን ዝረሓቐ’ዩ።     

ብርግጽ ንሓደ ጥዑይ ስነ-ኣእምሮ ዘለዎን ምቕሉልን መራሒ፡ ጠንቂ ናይቲ ኲናት መን’ዩ ብዘየገድስ፡ ሳዕቤኑ ተሓታትነቱ፡ ዕድኡ፡ ብጣዕሚ መሪር’ኳ እንተኾነ፡ ኩሉ ግዜ ግን ኣብ ቅርሕነትን ጽልእታትን ምንባር ሰለዘይኸኣል፡ ካብ ሕሉፍ ጉጉይን ኣዕናውን ተመክሮ ግቡእ ትምህርቲ ብምውሳድ፡ ንመንገዲ ሰላም ምቕራብን ምጽዓርን ግድነት’ዩ ነይሩ። ኢሳይያስ ግን ይትረፍ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰናይ ተበግሶ ባዕሉ ክወስድ፡ እቲ ኣብ 2002 ብኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተዋህበ ብይን፡ ከም ቀያድን ናይ መወዳእታን ተወሲዱ፡ ኣብ ክሊ’ቲ ብይን ንነባሪ ሰላምን ዘላቒ ረብሓታትን ክልቲኡ ኣህዛብ፡ ኣብ መኣዲ ዘተን ልዝብን ቀሪቡ፡ ዶብ ክልቲኡ ሃገራት ብሰላማዊ መንገዲ ክሕንጸጽ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ክቐርበሉ ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ጻውዒት ተሓሲሙ’ውን ቀጸለ። ኢሳይያስን ጭፍርኡን ፖሎቲካዊ መርገጽ ወያኔ ኣብ ነጻነትን ልዕላውነትን ኤርትራ ካብ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ እንታይ ምዃኑ ልዕሊ ማንም ሰብ እናፈለጡ፡ ዕድመ ናይቲ ጸረ ህዝቢ ዝኾነ ፖሎቲካዊ ስልጣኖም ንምንዋሕ፡ ወያኔ ካብ ሕማም ቀዳሞት ገዛእቲ ኢትዮጵያ ስለ ዘይተናገፈ፡ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ንምውራርና ኲናት ክገብር’ዩ ብዝብል ኣጉል ምስምስ፡ ንህዝብን ሰራዊትን ጅሆ ብምሓዝ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ ኣይሰላም ኣይኲናት ኮይኑ ክቅጽል ከም ቀዳማይ ምርጭኦም ሒዞሞ ክቕጽሉ መረጹ። 

ኣብ መዛዘሚ 2013 መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ጉዳይ ዕርቂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ጽንጽንታ ምሰ ተሰምዐ፡ ካብዝን ካብትን ትኩረት ብዙሓት የዋሃት ረኺቡ ኣብ ዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓን መዛረቢ ኣጀንዳ ኮይኑ ምውርሑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ብፍላይ’ውን ገባቲ ኢሳይያስ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃ/ማርያም ደሳለኝ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንሱዳን ዑደት ብድሕሪ ምክያዶም፡ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሺር ከኣ ምስ ክልቲኡ ሃገራት ሰናይ ዝምድናታት ምህላዉ ጠቒሱ፡ ንዕርቂ ክጽዕር ምዃኑ ምስ ገለጸ፡ ኣብ ብዙሓት ዜጋታት ዓቢ ትጽቢትን ተስፋን ኣንቢሩ’ዩ። ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ እቶም ካብ 1998 ብስንኪ ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ሕውነታዊ ዝምድናታት ተነፊጎም ኣብ መርዓን ሓዘንን ከይተሓዋወሱ ዝተነጸሉ፡ ካብ ኩሉ መዳያዊ ረብሓታትን ልምዓትን ዝተሓረሙ ኣብ ከባቢ ዶብ ዝነብሩ ዜጋታትና ከኣ ብፍላይ ትጽቢቶም ክሳብ ክንደይ ልዑል ከም ዝኸውን ንምግማቱ ብዙሕ ዝእግም ኣይኸውንን’ዩ። ኮይኑ ግን ኩሉ ግዜ እቲ ከም ሕሱም ንሰላም እናጸልአ ኲናት ዝናፍቕ ኢሳይያስ፡ ብ09 የካቲት 2014 ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ ንጉዳይ ዕርቂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ዝናፈስ ዘሎ ወሬታት ክሳብ ክንደይ ሓቅነት ኣለዎ ብዝብል ምስ ተሓተተ፡ ብክልተ ሓጸርቲ ቃላት ክቆጽዮ ብዙሕ ኣይተጸገመን። ወያኔ ካብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ከይተወገደ፡ ዕርቂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሕሰብ ዘይምዃኑ፡ ማንም ኤርትራዊ ዜጋ ከኣ ከምኡ ክሓስብ ከም ዘይብሉ ከይሓፈረ ክገልጽ ኣይተማትአን።

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ብርግጽ ኢሳያይስ ካብቲ ንጹር ዝኾነ ጸረ-ህዝቢ ፖሎቲካዊ መንነቱን ኣብ ባይታ ብግብሪ ዝድህሰስ ፖሊስታት ስርዓቱን ወጻኢ መግለጺ ኣይሃበን ኢሉ ይኣምን። ኣብ ርእሲኡ ኣብዚ እዋን’ዚ ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ምስ ኢትዮጵያ ኲናት ይኹን ዕርቂ ክልቲኡ ንዕድመ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዘውድቕ ቀራና መንገዲ ምዃኑ ዘጠራጥር የብሉን። ውድቀት ኢሳይያስ ፍጹም ዘይተርፍ፡ ኣብ ልዕሊ ዖና መቓብሩ ድማ ሓዳስ ደሞክራስያዊትን ፍትሓዊትን ኤርትራ ምህናጽ ታሪኻዊ ግዴታ’ኳ እንተኾነ፡ ብውሕዱ ግን ግዝያዊ ዕድሚኡ ንምንዋሕ፡ ኣብ ጎደና ጸረ ዕርቂ ምቅጻል ጥራይ’ዩ ዝኸውን እቲ እንኮ ምርጭኡ። ኢሳይያስ ቅድሚ ምስ ኢትዮጵያ ክዕረቕ ምሕሳብ ቅድም ቀዳምድ ምስ ነብሱ ክተዓረቕን ንህዝቢ ኤርትራ ይቕሬታ ክሓትትን ይህልዎ። እዚ ከኣ ብቀንዱ ንክብሩ ዝትንክፍ፡ ኣብዚ ዕስራን ሰለስተን ናይ ነጻነት ዓመታት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝተፈጸመ ማእለያ ዘይብሉ ኣበሳ፡ ገበናት፡ ጥፍኣትን ዕንወትን፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ፖለቲካዊ ተሓታትነት ክቕበል ስለ ዘይደሊ እዚ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነታት ቅኑዕ ምርጭኡ ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። ስለዝኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኢሳይያስ ሰላም፡ ቅሳነት፡ ሰናይ ፖሎቲካዊ ምሕደራ፡ ቁጠባዊ ግስጋሰን ምዕሩይ ማሕበራዊ ፍትሕን ምጽባይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ዝተመንጠለ  ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ብቅልጽሙ ንምምላስ ጸረ ስርዓት ህግደፍ ክውደብን ክዕጠቕን ጥራይ ይህልዎ።

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን
ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)
27 የካቲት 2014