ደምበ ተቓውሞ፡ ጉዕዞ መርከብ ብዘይ ኮምፓስ:

ደምበ ተቓውሞ፡ ጉዕዞ መርከብ ብዘይ ኮምፓስ:

 12 መጋቢት 2014

ሃብተማርያም ኣብራሃ
ለንደን – ዓዲ እንግሊዝ

‘ምስ ሕሱም ኣይትቑጸር ስንቅኻ፡ ቅድም ተሰከመን ደሓር ከኣ በርኩተን ይብለካ’ ኢዩ ኮይኑና ዘሎ ጉዳይ ኢሰያስ። ንሕና ኤርትራውያን ምስ ሕሱም ስንቅና ዝቋጸርና ህዝቢ ኢና። ሰላም ዝዓበኹም መጓዕዝቲ ዝነኣስኩም መንእሰያት ድማ ተኸተልቲ፡ ኣብ ዘዘለኹሞ ደሓን ንክትህልዉ በዓል ምሉእ ተስፋ እየ። ብፍላይ ከኣ ንኤርትራውያን ተቓለስቲ ደቀንስትዮ እንቋዕ ናብ 8 መጋቢት 2014 ብሰላም ኣብጽሓክን ክብል ይደሊ።

ለይቲ ድቃስ ዘይህብ ከምኡ’ውን ቀትሪ ዕረፍቲ ዝኸልእ ጉዳይ ህዝቢን ሃገርን ኣብ እንግድዓና ካብ ተጻዕነ፡ እሂን ምሂን ክንበሃሃልን ንሓድሕድና ክንጫኖን ግዜ ይጠልበና ኣሎ። ኣከያይዳ ደምበ ተቓውሞ ‘ጉዕዞ መርከብ ብዘይ ኮምፓስ’ ካብ ኮነ፣ ንኣከያይዳና ብዝምልከት መኣዝንንና ንምስትኽኻል ኮምፓስ ክንሕዝ፡ ናብ መዕለቢና ንምብጻሕ ድማ ሎሚ ገለ ነገር ክንገብር ኣለና። ኩሉ ዝተፈተነ ስራሓት  ከንቱ ውእቱ ኮይኑ ኢዩ። እሞ ካን ዲና ካብ መሬት ዓደቦናን ካብ ገዛውትናን ተሰጒግና ክንነብር? ኣይፋል! ንሕሰብ’ሞ ገለ መራግእቲ ደኣ ንፍጠር።

ኣብ ዓለም ብዘይካ እምነት ዘቅየርን ዘይበሊን ነገር የለን። ስለዚ እቲ ኣብ መንጎ ውድባትን ሰልፊታትን ዝነበረ ጽልኢን ምትፍናንን ንክበሊ ድምጺ ስዉኣት ካብ መዓሙቕ መቓብሮም የቃልሕ ኣሎ። ምስቲ ክንገብሮ ዝግበኣና፡ ነዚ ኩሉ ፋሕ ብትን ክትርእዮ ከለኻ ድማ ካባና እንስሳ ይሓይሽ እንተበልኩ ኣይተጋገኹን። እንስሳ ንሓድሕዱ ተጫንዩ ኢዩ ናቱን ዘይናቱን ዝፈልጥ’ሞ ሕጂ’ውን ሓደራ ስለ እዚ ዝጸንት ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ መኽደንን ኣልባን ንኹን። ክቡራት ደቂ ኤርትራ መድሃኒቱ ዝሓብአ ካብ ሕማሙ ክፍወስ ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ቀዳሞት ወለዲ ዝተጠቕሙሉ መድሃኒት፡ ከምኡ ከኣ ሰውራ ኤርትራ ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት መንገዱ ዝተጠቕመሉ መድሃኒት  “ሓድነት”  ዝተባህለት ፈውሲ ኢዩ። ነዚ ከኒና እዚ ክንረኽቦ ኣይከኣልናን ዘለና።

ንሕና ደቂ ኤርትራ ብሰንኪ ኢሰያስ ዘሳወሮ መጋርያ ጥፍኣት ገና ብዘይጠፍእ ሓዊ ንልብለብ ኣለና። ሎሚ ብዛዕባ እዚ ተላባዒ ናይ ጥፍኣት ባርዕ እዚ እንተዘይመኺርናን እንተዘይ ተሰማሚዕናን ድማ፡ እቲ ቁስሊ ካባና ናብ ደቅናን ደቂ ደቅናን ክሓልፍ ኢዩ። እስከ ዓይኒ ዘለዎ ይርአ፡ እዝኒ ዘለዎ ድማ ይስማዕ። ኤርትራ ፍሬኖ ከም ዘይብላ ኣረጊት እትናብለ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ናብ ሃው ዝበለ ጸድፊ ሸለውለው ትብል ዘላ ሃገር ኢያ።

እዚ ጉዳይ እዚ ምስ ዕድል ድዩ ክቑጸር ምስ ጽሕፍቶ ኤርትራውያን ገና ክምለሽ ዝግበኦ ጉዳይ ኢዩ። ብድሕሪ ረዚን መስዋእቲ ናይ 30 ዓመታት ጉዕዞ፡ ኣብ 1991  ሽቦ ላጋ ሽቦ ምስ ተባህለ፣ ንሙሉእ ናጽነትን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ ደኣ መሰለና እምበር “ነዚ ክትግዕታ ዶ ትርህጻ” ከም ዝበሃል፣ ከምዚ ንብላሽ ኣይመሰለናን።  ህዝቢ ደቢሉን ዓሊሉን ኢዩ። እንተኾነ ግን ይተዓለልን ይሳዕሳዕን፡ ኢሰያስ ካብ ዝወፍር ኣትሒዙ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ካብታ ዝተበገሰላ ዕላማ ፍንትት ኣይበለን።

እቲ ሽግር ናቱን ናይ ለኣኽቱን ዘይኮነስ፡ ናትና ናይዞም ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ንሓድሕድና ንዋጋእ ዘለና’ምበር። ኣይተፈለጠናን ደኣምበር፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ ዘመነ ህግደፍ ዓመታት ጥይት ብዘይብሉ ጠበንጃታት’ኮ ተዋጊእና ኢና። እዚ ኣብ ምንቲ’ምንታይ ኢዩ? ‘ሽም ነርሓ ሳዕሪ ነሓ’ ከም ዝበሃል ደጊም፣ እዞም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝረኣናዮም መሪሕነት ብዘይካ ናብ መንበር ኢሰያስ ምጥማት፡ ህዝቢ ወዲቦም ሓራ ከውጽእዎ ኣይረኣናን። ኢሰያስ ኣብ መንገዱ ነይሩ፡ ገና እውን ኣብ መንገዱ ኣሎ። ደቀባት ኤርትራ ብዝተፈላለየ ኣገባባት በብሓደ ንምጥፋእ ዝተበገሰሉ ዕላማ ገና ኣይዓረፈን ዘሎ። እቲ ካብ ምስላፉ ዝጀመረ እከይ ተግባራት፡ ብቅንጸላ ንደቀባት ኢዩ ጀሚሩዎ። ኮር ተገልበጥ! እቲ ኣብ ጸልማት ግዜ ዝነበረ ቅንጸላ ንደቀባት፡ ኣብ ጸሓይ ብርሃን እውን ኣጋዲድዎ’ምበር ኣይገደፎን። ዘዝተወልደ ንስደትን መከራን ኮይኑ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ መሬቱ እሱር ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።

እሞ ስለ ህዝቢን መሬትን እንታይ ደእ ንግበር? ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ተቓዋማይ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፡ እዚ ተቓውሞ እዚ ብከመይ ኢዩ ናብ ሓደ ክጥመር? መን’ዩ ሽም ንህቢ ኮይኑ ዘዕስል? መማእዘኒ ኮምፓስ ካበይ ይረኸብ? እስከ ነንነፍስና ንፈትሽ! ከምኡ’ውን ከባቢና ንመርምር። ደምበ ተቓውሞ ንስም እምበር ብግብሪ የለን። እቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝገበርናሉ፡ በብመድርኹ ተኾብኲቡ ካብ ኪዳን ናብ ኮሚሽን፣ ጸኒሑ’ውን ባይቶ ዝተሰየመ ቅሚጦ፡ ብዘይካ ወረ ዘፍረዮ ጉዳይ የለን። ሃገራዊ ባይቶ፡ ‘ከይኮነ ለብም ከይተሰብረ ጸግን’ ከም ዝበሃል፣ ክልብምን ክጽገንን ኣይረኣናን።

ከመዮ ዛግራ ናዝቢ መሸንጋጓን ናብቲ ዝበሃል፡ እቲ ንኣዳም ገረሞ ኮይኑ ዘሎ ከኣ ጉዳይ ደምበ ተቓውሞ ኢዩ። ቃል ንቃሉ ክንደይ’ከ ይጥዕም ኢዩ። ተቓውሞ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢናን ሃገርናን ኲናት ኣዊጁ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ይመስል። ወዳጄ ጣቋ! ኣብ ኣኼባን ጽሑፋትን፡ ኣብ ቅዋምን ፕሮግራምን መልክዕ ውድባትን ባይቶን ክጽብቕ ጉዳም ኢዩ! ደምበ ተቓውሞ ንኢሰያስ ንሓንቲ ለይቲ እውን ዘሕድርዎ ኣይመስሉን ኢዮም። ኣቤት እቲ ኣዋጆም፡ ዘረብኦም ክጽብቕ! እዚ ቁም ነገር ዘይብሉ ውቃጦ እዚ ድማ ከምቲ ‘መልክዕ ደኣ ይሃበኒ’ምበር ውሕልነትሲ ካብ ጎረቤተይ ይመሃሮ’ ዝበለቶ ሰበይቲ፣ ደምበ ተቓውሞ እውን ብዘይካ ኣብ ምጽባቕ ፕሮግራም ዝገበርዎ ውቐይ የለን። እዞም ሰባት ንውድባትን ሰልፊታትን ከም ናይ ንግዲ ሊቸንሳ ደኣ’ምበር ከም መቃለሲ ባይታ ተጠቒሞሙሉ ኣይፈልጡን ኢዮም። ናይ ትማሊ ተመኩሮ ከም ዝሕብሮ፣ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ጉባኤኡ ዝነበሮ ሓሸውየ ምርኣይ ጥራይ ይኣክል ኢዩ።

ከምቲ ኣቐዲመ ጽሒፈዮ ዝነበርኩን ብዙሓት ደቀባት ዝተዛረቡዎን ከኣ፡ እዚ ደምበ ተቓውሞ ዝተባህለ ተዛራባይ ሬሳ ደኣ’ምበር ህያው ኣይኮነን። ብዛይካ መልሓስ ንሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን ሰሪሑ ኣይፈልጥን ኢዩ።  እሞ እንታይ ደኣ ይገበር? ልክዕ ብልክዕ እቲ ዝሓለፈ ዓመታት ናይ ክሳራ ዓመታት ምንባሩ ክግምገም ይግባእ። ደምበ ተቓውሞ ኣብዘን ዝሓለፋ 23 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ከባቢ ኤርትራ ቅንጣብ ዓወት ካብ ዘየመዝገበ፣ ውሽጡን ደገኡን ከም ብሓድሽ ክውደብ ኣለዎ ይብል።

ለውጢ ካብ ውሽጢ እምበር ካብ ደገ ከም ዘይመጽእ እነሆ ጭቡጥ ኣብነታት ርኢና ኣለና። ስለዚ ‘ንእሾኽ እሾኽ ኢያ ተውጽኣ’ሞ ኣራግጻኻ  ኣይትቐይር’ ከም ዝበሃል፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለኹም ህዝቢን ሰራዊትን ኣጆኹም! ኣይትደቅሱ፡ ታሪኽ ጅግንነት ንምድጋም ግንባር ህግደፍ ንምድምሳስ ተዳለዉ። እዞም ሎሚ ንኤርትራ ብፖለቲካን ቁጠባን ገቢቶማ ዘለዉ ቁንጣሮ ሰባት እንታዎት ኢዮም? ቀንዲ መንነቶምን መበቆሎምን ብንጹር ክፍለጡ ኣለዎም።

ክሳብ ሎሚ ተሓቢኦሙሉ ዝነበሩ ድርዒ ክስበር ይግባእ። ንደቀባት ኤርትራ ካብ ሰብዓታት እናቀንጸለ ዝመጸ ጸይቀ-ዕሉል መራሒ ህግደፍ፡ ብድሕሪ ናጽነት እውን ነቶም ቀንዲ ዓንዲ ማእከል ደቀባት ኤርትራ ብተንኮል ናብ ዒራዒሮ ዳጒኑ ኣጥፊኡዎም ኢዩ። ከም ገለ ንዝጠርጠሮም እውን በብግዚኡ ብምስማም የጽንቶም ኣሎ። ኢሰያስ ብዘይካ ስልጣኑ ዝግድሶ ጉዳይ የለን። ትማሊ ኣገልጊሉኒ ኢዩ፡ ስለ መንበረይ ተወፍዩ ኢዩ ዝበሃል ኒሕ የብሉን። ከምቲ ‘ንዝኣመነን ንዝኸሓደን ብሴፍ’ ዝበሃል፣ ሎሚ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ካብ ሴፍ ኢሰያስ ዝተርፍ ወደባት ኣይክህሉን ኢዩ።

ስለዚ ደምበኻ ከይበተኸ እንከሎ፡ ተንስእ ህዝቢ ኤርትራ። ደምበ ተቓውሞ፣ ብፍላይ ከኣ ደቅና መንእሰያት ናይ ለውጢ ሓዋርያት ከም ምዃንኩም መጠን፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ክውላዕ እንደልዮ ዘለና ሽግ ንምውላዕ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ሓደ ኩኑ። እቲ ምፍንጫልን ምውንጃልን በተን ውድባት ከብቅዕ ይግባእ። ናታተን ኣከያይዳ እናኣሕዘነና፡ ሎሚ እውን ኣብ ማሕበራት መንእሰያት ምፍንጫል ይረአ ኣሎ። ይኣክል ጉዕዞ ደምበ ተቓውሞ፡ ጉዕዞ መርከብ ብዘይ ኮምፓስ።

 

ውድቀት ንህግደፍ

ዓወት ንደላዪ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ!

 

 

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.