ወያነ…! ወያነ…! ወያነ! ክሳብ መዓስ..? – ሳልሳይ ክፋል

ወያነ…! ወያነ…! ወያነ! ክሳብ መዓስ..? – ሳልሳይ ክፋል

ሳልሳይ ክፋል

                    ወያነ…! ወያነ…! ወያነ! ክሳብ መዓስ..?

እዚ ጽሑፍʼዚ ከምቲ ቀዲመ ኣብ ክልተ ክፋላት ጽሑፋተይ ዝገለጽኩዎ ንህሉው ኩነታት ሃገርናን ጉጅለ ስርዓት ህግደፍን ብመንጽር ደምበ ተቓውሞ ዝኸዶ ዘሎ ዘገምታዊ ኣካይዳ እናኣነጻጸረ ዝገልጽን ዝጸሐፍን ዘሎ ጽሑፍ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ኣርእስቲ ጽሑፈይ ምስቲ ቀንዲ ሕመረት ሓሳብ ዕላማ ዝገበረ ኢዩ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ክፋላት ጽሑፈይ፡ ቀዳማይ ‹ካብ ፈጣሪኣስ ፋሕጣሪኣ› ኣብ ዝብል ጽሑፈይ ህዝቢ ንስርዓት ህግደፍ ዓኽ ቱፍ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ ናይ ምጾታቱ ግዜ፡ ደምበ ተቓውሞ ንስርዓት ህግደፍ መድሎ ኮይኑዎ ከም ዘም ዘሎ ዝእምት ኢዩ፡፡ ኣብቲ ካልኣይ ክፋል ጽሑፈይ እውን ብተመሳሳሊ፡ ደምበ ተቓውሞ ድሌትን ተበግሶን ህዝቢ ተገንዚቡ፡ ኣብ ክንዲ ማዕበላዊ ቃልሲ ከለዓዕል ዝፍትን ምስ ህግደፍ ኣብ ሓደ ሓዲድ ተሰሪዑ፡ ነቲ ናይ ቀዳምነት ቀዳሚ ዕይኡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ዘንጊዑ፡ ኣብ ጓል መንገዲ ይህውትት ምህላዉ ዘነጽር ኢዩ፡፡ ሎሚ ኣብ ሳልሳይ ክፋል ጽሑፈይ ድማ ተረካቢ ይዓድዮ ዝዓይነቱ ወያነ! ወያነ! ወያነ! ኣካይዳ ደምበ ተቓውሞ ካብ ህግደፍ እንታʼዩ ዝፈልዮም ንምንጽጻር ኢዩ፡፡ ከምቲ ቀዲመ ዝበልኩዎ ቁስሊ ደምበ ተቓውሞ ክሓዊ እንተድኣ ኮይኑ ክጉዳእ ኣለዎ፡፡ ሓደው እቲ መሽሚሹ ጋንግርን ዝገበረ ኣካል ተቖሪጹ ክእለ ኣለዎ፡፡ ከም ሓለፍቲ ፖለቲካውያን ውድባት፡ እሞ ድማ ቃልሲ ክንመርሕ ዓቕምን ክእለትን ኣለና እናበልካ ንኽቃለስ ዝተቐረበ ህዝቢ ምሕንኳል ዓገብ!

ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ዕድመ ምልኪ ስልጣኑ ከናውሕ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይተደለየ ኣህላቕን ኣዕናውን ኲናት ምስ ኣእተዎ፡ ንዓሰርተው ሹዱሽተ ዓመታት ክሕባኣሉ ዝፈተነ በዓቲ ወያነ! ወያነ! ወያነ! ዝብል ንኣእዛን ኩልና ዘደንቖረ መዝሙር ኢዩ፡፡ ብዘይ ቀልዓለም ድማ እቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝነስነሶ ወያነ! ወያነ! ወያነ! ዝብል ሓደገኛ መርዚ ሕጂ እውን ገና ኣብ ብዙሓት ኣሕዋት ኤርትራውያን ስክፍታን ምጥርጣርን ፈጢሩ ምህላዉ ዝከሓድ ኣይኮነን፡፡ ናብ ሱዳን፡ ጅቡቲ፡ የመን ምኻድ ስግረዶብ ዝብል ስያመ ክወሃቦ እንከሎ፡ ናብ ኢትዮጵያ ምእታው ግን ክድዓት ኢዩ ተባሂሉ፡፡ ስለ ዝኾነ ኣሽሓት መናእሰያት ግልያነት ስርዓት ህግደፍ ዝመረሮም ከምዚ ሎሚ እቲ መርዛም ሓሳብ ህግደፍ ከይተሳዕረ ናብ ኢትዮጵያ ዝቐርቦም ናብ ሱዳን ክኣትዉ ኣደዳ ምጭዋይን ምሻጥን ኮይኖም ኢዮም፡፡ እንተ ሎሚ ግን እዚ ተመናኒሁ ዝተመንወ መርዛም ሓሳብ ህግደፍ ተሳዒሩ ኢዩ፡፡ መናእሰያት ጥራይ ዘይኮኑ፡ ህይወቶም ከድሕኑ ኤርትራውያን ስድራቤታት ብጅምላ ናብ ኢትዮጵያ የምርሑ ኣለዉ፡፡ ደቂ ሰብዓ ሰማንያ ዓመት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ተዐቚቦም ኣለዉ፡፡ እቲ ሓቂ እዚ ኢዩ፡፡ ህዝቢ ነቶም ቃልሲ ክንምርሕ ብቕዓት ኣለና ዝብሉ፡ ገለ መራሕቲ ውድባትን ማሕበራትን ብንቕሓቱ ቀዲምዎም እናተዓዝረ፡ ንሶም ከም ጸማም ሓደ ደርፉ ወያነ! ወያነ! ወያነ! ዝብል መዝሙር ህግደፍ ከም ፓፓጋሎ ክደጋግሙ ክትሰምዕ ዘሕዝንʼዩ፡፡ ብርግጽ ʼ ከ ወያነ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ድዩ…..?

ሓደ ኣብ ጥልያን ዝነብሩ ኣቦ ኣብ ኢመይለይ ከምዚ ክብሉ ጽሒፎምለይ ነይሮም፡፡  ̋ ሚኪኤል ወደይ ንጥፍኣት ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ወያነ ዘይኮና፡ ካብቲ ኣብ ማእከል ኣስመራ ዓስኪሩ ዘሎ መንነቱ ዘይንፈልጦ ስርዓት ህግደፍ ኢና ክንጥንቀቕ ዘለና፡፡ ወያነ ሎሚ ዘይኮነ ገና ኣብ በረኻ እንከሎ እውን ንናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ብመትከል ዝኣምን ዝነበረ ውድብ ኢዩ፡፡ ካብዚ ኣብ ኣስመራ ኣድፊዑ ዘሎ ሽፍታ ስርዓት ግን ብዙሕ ስክፍታ ኣለና፡፡ ንናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ዘይኣምኑ፡ ፍጹም ዘይወሓጠሎም፡ ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያ ኢያ ዝብሉ ኢዩ ዘዕኩኽ ዘሎ፡፡ ወተሃደራት ደምሒት ካብ ደቂ ኣፍዓበት ትግረ ወሊዶም ክትሰምዕ ብሓቂ ከቢድ ኢዩ፡፡ ኣብዚ ጉዳይ ገለ ክትብል ነቶም ወያነ እባ ኢትዮጵያ እናበሉ ቀንዲ ጉዳይና ዘረሱዑና ዘለዉ ዓገብ ክትብሎም እምሕጸነካ፡፡˝ ዝብል ትሕዝቶ ዝነበሮ ኢዩ፡፡ ሳልሳይ ክፋል ጽሑፈይ ኣብዚ ኣርእስቲ እዚ ከቶኩር ዝገበረኒ እውን እዚ ርእይቶ ናይዞም ለባም ኣቦ ኢዩ፡፡

ዘደንጹ ኢዩ፡፡ ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትነኣ ትናፍቕ ዝበሃል ከምዚ ምስ ተረኽበ ኢዩ፡፡ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ኣይኮነ ካልእ ኢሳይያስ ዝመርሖ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ኢዩ፡፡ እዚ ስሱዕን መላኽን ቀታልን ናይ ውሑዳን ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ፡ ኤርትራን ኤርትራውያንን ሱር መሰረቶም ሓኺኹ ከጥፍእ ናይ ሓይለቡኡ ይሰርሕ ኣሎ፡፡ ንኹሉ ህዝቢ ብናይ ስለያ መሓውራቱ ጅሆ ሒዙ፡ መናእሰያት ኤርትራ ኣብ ናይ ግልያነት ማሕቡስ ሓይርዎም ኣሎ፡፡ ዓቕሉ ዝጸበቦ ድማ ዝረኸበ ይርከበኒ እናዳበለ እግሩ ናብ ዝመረሖ ይበታተን ኣሎ፡፡ ንሃገር ኣዕንዩ ህዝቢ ተመጽዋቲ ናይቲ ስርዓት ከም ዝኸውን ገይሩ፡ ዝርካቡ ሃብቲ ሃገር ኣብ ትሕቲ እዚ ዓማጺ ስርዓት ከም ዝኸውን ገይርዎ ኣሎ፡፡ ናጽነት ኤርትራ ብሓባራዊ መስዋእቲ ህዝቢ ዝተረጋገጸ ክንሱ እዚ ቀታሊ ስርዓት ከም ወሃብን ከላእን ማይ ኮይኑ፡ ንሕና ዝበልናካ ትገብር፡፡ እንተዘየለ ኣብኣ ትደኻ ብምባል፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝመርሑ ጀጋኑ ከይተረፈ ብናይ ክድዓት ወንጀል ጠቂኑ ቀቲሉን ዓፉኑን ብዘይ ፍርዲ ሓይሩን ኢዩ፡፡ ዝኸፈአ ድማ ንህዝቢ ሰላሙ ዘሪጉ፡ ከይቀስን ውሽጣዊ ጉዳያቱ ከይርኢ ጸላእቲ ኣለዉኻ፡ ቀናኣትን ሓሳዳትን ኣለዉኻ፡ መጹኻ ወረሩኻ እናበለ፡ ነቲ መዳርግቲ ኣልቦ መስዋእቲ ዝኸፈለሉ ናጽነቱ ከም ዘየስተማቕርን መዋእሉ ኣብ ውግእን ዕግርግርን ከም ዝጽመድ ገይሩ ኢዩ፡፡ እታ ቀንዲ መዋግኢት ጠበንጃ ስርዓት ህግደፍ ድማ፡ ወያነ! ወያነ! ወያነ! ትብል መርዛም መዝሙር ኢያ፡፡ ኣብታ ንጥፍኣትና ኲናት ዝተወላዓላ ወርሒ ግንቦት 1998 ዓ/ም መንዩ ክርቢት ሸርጢጡ ግን፡ ጉጅለ ህግደፍ ባዕሉ ምዃኑ፡ ካብ ህዝቢ ተኸዊሉ ብደሚቕ ቀለም ክታሙ ኣንቢሩሉ ኣሎ፡፡

እቲ ዘሕዝን ገለ መራሕቲ ፖለቲካውያን ውድባት ደምበ ተቓውሞ፡ ወይ ውን ኣንጻር ህግደፍ ክንቃለስ ድግድጊት ተዓጢቕና ኣለና ዝብሉ ፡ መራኸቢ ብዙሓን ብፍላጥ ድዩ ብዘይ ፍላጥ ህግደፍ ዝጥቀመሉ ቋንቋ ወያነ! ወያነ! ወያነ! ክደጋግሙን ኣብ ክንዲ ንዕርቂ ንጽልኢ ክቶዃትኹ ክትርኢ ዘደንጹ ኢዩ፡፡ ጉዳይና ብህግደፍ  ዝተመንዘዓ መሰል ኤርትራውያን ምምላስ ኢዩ፡፡ ጉዳይና ፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ኤርትራ ምንጋስ ኢዩ፡፡ ቃልስና ብሕጊ እትመሓደር ሃገር ክትህልወና ምግባር ኢዩ፡፡ ቃልስና ንፍትሕን ዲሞክራስን እንተድኣ ኮይኑ፡ ስለምንታይ ወያነ! ወያነ! ወያነ! ኣብ ዝብል ዒንኪላሎ ሓሳብ ደምበ ተቓውሞ ሸንኮለል ዝብል ዘሎ፡፡ ከም ውልቀ ርእይቶይ ኣብ ኢትዮጵያ በትረ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ውድብ ኢሂወደግ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ኤርትራውያንን ሽግር ይፈጥር እንተ ድኣ ሃልዩ ካልኣይ እምበር ቀዳማይ ጉዳይና ኣይኮነን፡፡ ቀዳማይ ጉዳይና በቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝኸዶ ዘሎ ኣካይዳ ክንህልዉ ዲና ኣይክንህልውን ንዝብል ሕቶ ክንምልስ ኣለና፡፡ ብዘይ ቀልዓለም ጉጅለ ህግደፍ በዚ ዝኸዶ ዘሎ መንገዲ ክቕጽል ንእሽቶ ዕድል እንተሂብናዮ፡ ከም ኤርትራውያን ህላውነትና ኣስጋእን ኣጠራጣርን ኢዩ፡፡ ኢሳያስን ጉጅልኡን መንነት ህዝቢ ኤርትራ መሰረቱ ክሓኩ ይሰርሑ ኣለዉ፡፡ ንሕና ድማ ወያነ ክንብል መሬት ዓሪቡና፡፡

ከምቲ ናይ ስነ ኣእምሮ ምሁራት ዝብልዎ፡ ሓደ ጉዳይ ከተሳልጥ ሪጋ ትገብር እሞ ቀልጢፉ ኣይሰልጠካን፡፡ ካልእ ክትገብሮ ዝግባኣካ እናሃለወ፡ እዚ ኩሉ ተጸብየስ ኣይፋለይን ብምባል ተሃላሊኽካ ክሰልጠካን ከይሰልጠካን ከይፈልጥካ ፍጭም ትብል፡፡ ክትገብሮ ዝግበኣካ ነገር ሰኣን ሓሳብካ ምቕያር ይተርፈካ፡፡ ናይ ገለ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለዉ ኣካይዳ እውን ተመሳሳሊ ኢዩ፡፡ ሰኣን ነቲ ዝበለየን ግጉይን ሓሳብ ኣሪሞም ናብቲ ቁኑዕ ጎደና ቃልሲ ዝኣትዉ፡ ማዕረ ህግደፍ ወያነ! ወያነ! ወያነ! ክብሉ ኣይ ክሰርሑ ኣይከስርሑ ግዜ ዓሪብዎም፡፡ ንደምበ ተቓውሞ ኣብ ናይ ሓሸውየ ዓዘቕቲ ሸኺሎሞ ይርከቡ ኣለዉ፡፡ ንቓልሲ ብማዕበል ተበጊሱ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ነዚ ዝበለየ ዘየሰጉም ግጉይ ሓሳብ ክስዕሮ ኣለዎ፡፡ እቶም ንናጽነት ኤርትራ ብፍጹም ዘይኣምኑን ዘይቅበሉን ኣብ መሬት ኤርትራ ዓስኪሮመም ዘለዉ እኒ ደምሒት፡ ቅንጅት፡ ጉንበት ሰባት፡ ኣርበኞች….ወዘተ ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ክትዝንግዕ የብልካን፡፡ ህግደፍ ምስዞም ናጽነት ኤርትራ ዘይቅበሉ ክመሐዞ ዝፈቕዱ፡ ብተመሳሳሊ ከም ፓፓጋሎ ዝተመንወ ደርፊ ህግደፍ ኣሐዲሾም ወያነ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኢዱ ጥራይ ዘይኮነ እግሩ እውን ኣእትዩ፡፡ ሕምቀቶም ክሽፍኑ ወይ እውን ኣርቲፊሻል ክንሶም ወርቂ መሲሎም ምእንቲ ክረኣዩ ንኹሉ ንቕበል፡፡ ህግደፍ ክእለ ኣለዎ፡፡ ግን ጉዳይና ባዕልና ክንሕዞ ኣለና፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክንኣቱ የብልናን፡፡ ወያነ ናይ ቀደም ጸላኢና ኢዩ፡፡ እዋእ…. እንታይ ኢዮም ዝብሉ ዘለዉ……? ጉዳይና ንህግደፍ ምእላይን ፍትሕን ዲሞክራስን ምርግጋጽ ድዩ፡ ወይስ ተቓዋሚ ህግደፍ ተመሲልካ ንጥፍኣት ኤርትራውያን ካራ ምቕባል ኢዩ፡፡

ኣንታ ኤርትራዊ መንእሰይ ህዝብን ሃገርን ካብ ጥፍኣት ከተድሕኖ ብዓቢ ተስፋ ይጽበየካን የድህየካን ኣሎ፡፡ ስለ ዝኾነ ብኸመይ መገዲ ነዚ ቀታልን በታታንን ስርዓት ህግደፍ ከም ትኣልዮ ንሓሳብ እዞም ንቃለስ ኣለና ዝብሉ እውን ገማጢልካ መርምሮ፡፡ ብዝግባእ መርሚርካ ነቲ ማሕለኻ ኮይኑ ዘሎ ዘየሰጉም ሓሳብ ያዕ በሎ፡፡ ኣሽንኳይ ክልተ ልኡላውያን ጎረባብቲ ሃገራት፡ ክልተ ጎደቦ ንጎደቦ ዓድታት እውን ብሕጊ ተኸባቢረን ተፋቒረን ተሓቋቒፈን ከም ዝነብራ ኣስተባህል፡፡

ኣብ መጠረሽታ ሓደ ነገር ብግልጺ ከቐምጦ ዝደሊ፡ ኣብ ኢትዮጵያ በትረ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ውድብ ኢሂወደግ፡ ንስርዓት ህግደፍ ስለ ዝጸለኦ፡ ንዓና ንኤርትራውያን ስለ ዝቐተለናን ዝኣሰረናን ዝበታተነናን ፍትሒ ከም ጽኡልና፡ ካብ  ምጽናት ከድሑኑና ታንክታትን መዳፍዓትን ኣምሪሖም ዓዲ ከእትዉና ከምዘይክእሉ  ክንፈልጥን ክንርዳእን ኣለና፡፡ ከም ኣሕዋትን ጎረባብትን ክድንግጹልና ባህርያዊ ኢዩ፡፡ ካብኡ ሓሊፉ ግን ንስርዓት ህግደፍ ንኣልዮ ንሕና ባዕልና ጥራይ ምዃና ምግንዛብ የድሊ፡፡  ወያነ! ወያነ! ወያነ! መጠረሽታና እንታይ ʼ ዩ  ክኸውን  እንድዒ፡፡

ይ…..ቕ….ጽ…..ል……

እዚ ጽሑፍ እዚ ውልቃዊ ርእይቶ ናይ ጸሓፊኡ ኢዩ!

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

[email protected]

 

 

 

 

ፍትሒ፡ ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ እትሕተም መጽሔት ልሳን ማሕበር ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ኢንዲያናፖሊስን ከባቢኣን

ፍትሒ፡ ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ እትሕተም መጽሔት ልሳን ማሕበር ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ኢንዲያናፖሊስን ከባቢኣን እያ። ዲሞክራሲ ኣብ ዘይሃለወሉ ሃገር ፍትሒ ክረጋገጽ ስለዘይካኣል ንፍትሒ ምቅላስ ማለት ንዲሞክራሲ ምቕላስ ምዃኑ ስነ-ሞጎታዊ ሓቂ እዩ። ንዲሞክራሲ ምቅላስ ክበሃል ከሎ ንህዝባዊ ስልጣን ምቅላስ ማለት እዩ።

[jqdial code=”dial75081f6fc6″] ምሉእ ትሕስቶ…[/jqdial]

PDF: FithiMagazine_Feb2014

 

 

 

 

 

ቅሉዕን ምስጢራውን ዜናታት ደምበ ህግደፍ

ቅሉዕን ምስጢራውን ዜናታት ደምበ ህግደፍ
ምንጭታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ

መንግስቲ ኢራን ጽልዋታቱ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምስፍሕፋሕ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ምስ ሃገራት ዓረብ ብሓፈሻ ምስ ስዑዲ ዓረብ ድማ ብፍላይ ዘለዎ ዝምድናታት ክበትኽ ጻዕርታት ይገብር ምህላዉ ተገሊጹ። ብዋጋ ናይዚ ድማ፡ መንግስቲ ኢራን ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ናይ ሎጀስቲክ፡ ገንዘብ፡ ኣጽዋርን ነዳድን ሓገዝ ክገብር ዘይተኣደነ መብጽዓታት ይኣቱ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንልዕላውነት ኤርትራ ኣሕሊፉ ብምሃብ ስለያዊ መሓውር መንግስቲ ኢራን ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ክሰፍር፡ ካብ ዝፍቕድ ነዊሕ እዋን ምግባሩ ዝፍለጥ ጉዳይ ኮይኑ፡ እዚ መሓወር’ዚ ሑቱይን ንዝተባህሉ ተቓወምቲ የመን፡ ኣብ ሶማል ንዝርከብ ብግብረ-ሽበራ ዝልለ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ንሓማስ ኩሉ መዳያዊ ደገፋት ክገብር ምጽንሑን ምህላዉን ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።

ገለ ተንተኒ ፖሎቲካ፡-
ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ወትሩ ካብ ዘላቒ ዝኾነ ስተራተጂካዊ ረብሓታት ግዝያዊ ጥቕምታቱ ስለ ዘቐድም፡ ነቲ ብመንግስቲ ኢራን ዝቐርብ ዘሎ መብጽዓታት ተቐቢሉ፡ ዝምድናታቱ ምስ ሃገራት ዓረብ ክበትኽ ዘይማታእ ምዃኑ ይገልጹ። እዚ ነቲ ኤርትራ ኣጋጢምዋ ዘሎ ከባብያውን ኣህጉራውን ከበባ ወይ ተነጽሎ ዘጋድድ ተርእዮ ምዃኑ’ውን የመልክቱ። ህላወ መንግስቲ ኢራን ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ፡ ብዙሕ ከባብያውን ኣህጉራውን ሕቶታት ዝልዕል፡ ብፍላይ ከኣ ንጉጅለ ኣልሸባብ ዝህቦ ኩሉ መዳያዊ ደገፋት፡ ጸጥታን ርግኣትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዝራግ፡ ዓቢ ተራ ዝጻወትን ሓደገኛን ምዃኑ ይትንትኑ።

ኣብ መንጎ ሓለውቲ ዶባት ገባቲ ስርዓት ህግደፍን ራሻይዳን ግርጭታት እናዓሞቐ ብምምጽኡ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ተደጋጋሚ ምልውዋጥ ቶክሲ ይርአ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ብ10/02/2014 ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ዝተፈጥረ ንልዕሊ ርብዒ ሰዓት ዝወሰደ ምልውዋጥ ቶክሲ ካብ ክልቲኡ ወገናት ኣብ ሂወት ሰብ ዘጋጠመ ክሳራ’ኳ እንተዘየሎ፡ ሓደ ካብ ራሻይዳ ብሓለውቲ ዶባት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ምትሓዙ ተረጋጊጹ። ዳግማይ ብ14/02/2014 ኣብ ገርገፍ ዝተባህለ ቦታ ብዝተፈጥረ ምልውዋጥ ቶክሲ ክልተ ካብ ራሻይዳ ከም ዝሞቱ፡ እቶም ካልኦት ሃዲሞም ምውጽኦም ተሓቢሩ።

መንግስቲ ግብጺ ነቶም ንልዕላውነት ኤርትራ ዘይኣምኑ፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ኣዕሩኽ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ዝኣተዎ መብጽዓታት ኣብ ግብሪ ከውዕል ምጅማሩ ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመሪሕነት ኣባል ጸጥታ ግብጺ ሜጀር ጀረናል ካልድ ኣሕመድ ሳሚ ንተቓወምቲ ኢትዮጵያ ዝመጸ ኣጽዋር፡ ማእለያ ዘይብሉ ሎጂስቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ሓገዛት ኣብ ከባቢ ማርሳ ተኽላይ በርጠ ዝተባህለ ፍሉይ ቦታ ምርጋፉ ተረጋጊጹ። ዕላማ ናይዚ ሓገዛት’ዚ ንተቓወምቲ ኢትዮጵያ ብምጥንካር፡ ንስትራተጂካውን ልምዓታውን ግድብ ኣባይ ንምትዕንቓፍ ብመንግስቲ ግብጺ፡ ስዑድያን ካልኦት ሃገራት ዓረብን ዝምወል ምዃኑ ይሕበር።

በዚ መሰረት ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ኣፍዓበት፡ ኣብ ሰለስተ መደበራት ሓስበትን ማይ ኢሎን ዝተባህለ ፍሉይ ቦታታት ብክኢላታት ግብጺ ዝተሓገዘ ሓድሽ ወተሃደራዊ ታዕሊም ከካይዱ፡ ምስቲ ኣጽዋር ንምልላይ ድማ ብርቱዕ ሰልጠና ንምውሳድ፡ መደብ ተታሒዙ ምህላዉ ተገሊጹ። ምስ ግብጽን ካልኦት ሃገራት ዓረብን ኮይኑ፡ ንሰለስተ መደበራት ታዕሊም ተቓውምቲ ኢትዮጵያ ንምውህሃድ፡ ካብ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ሓላፍነት ዝተሰከመ ሳልሕ ከም ዝበሃል ድማ ተሓቢሩ።

ምስዚ ብምዝማድ ድማ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ብመሬት ሱዳን ብምሕላፍ ንስትራተጂካውን ልምዓታውን ግድብ ኣባይ ንምዕናው፡ ምስ ተቓውምቲ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም ተገሊጹ። ነዚ ንምትእስሳር መንግስቲ ግብጺ ኣብ ደቡብ ሱዳን ንዝርከብ ብሪክ ማሻር ዝምራሕ ተቓወምቲ ክሕግዝ ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ ምንጭታት ይሕብሩ። ኩሉ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ጸጥታዊ ስምምዓት’ዚ ግብራዊ ንምግባር፡ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ወይ ኣብ ማርሳ በርጠ ኩሎም ኣካላት ናይቲ ስምምዕ ኣብ ዝቐረበ እዋን ኣኼባ ክገብሩ ምዃኖም ተገሊጹ።

ገባቲ ኢሳይያስ ብ09/02/2014 ንዋሕዚ ስደት መንእሰያት ኣመልኪቱ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ንዝርከቡ መንእሰያት ኤርትራ ብርቱዕ ቁጥዐ ምፍጣሩ ተሓቢሩ። ኢሳይያስ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ቃለ-መሕትት ከካይድ ከሎ፡ ሓንሳብ ዝስደድ መንእሰይ ኤርትራ የለን ክብል ጸኒሑ፡ መልሓሱ ሓጺፉ ከኣ እዚኦም ሓተላ፡ ግለት፡ ክልተ ጻሕሊ ዝለመዱ፡ ብጎረባብቲ ሃገራት ዝተዓሰቡ……………ወዘተ ብምባል ዘይሓላፍነታዊ መግለጺታት ባጫን ዘለፋን ክህብ ምጽንሑ ኣይዝንጋዕን። ብ09/02/2014 ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ እዚኦም ነቲ ብነጻ ዘምሃሮም መንግስትን ህዝብን ካሕሳ ከይኸፍሉ ዝሃድሙ ዘለዉ ሰረቕቲ’ዮም፡ ይሃልዉ ኣይሃልዉ ብዘየገድስ፡ ቅንጣብ ዝጎድል የለን ምባሉ ይፍለጥ። በዚ ዘይውርዙይ ቃለ መሕትት’ዚ ዝተቆጥዑ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ኤርትራ እዚ ይትረፍ ብኣንደበት ሓደ ንነብሱ ከም መራሒ ህዝብን ሃገርን ዝፈልጣ ኣካል፡ ካብ ጎደና ዝሓድሩ ዓዋሉ ክወጽእ ትጽቢት ዘይግበረሉ፡ ተመሊሱ ንበሃሊኡ ዘሕፍር’ዩ ክብሉ ይገልጹ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ከኣ ንምቕልጣፍ ውድቀት ገባቲ ኢሳይያስን ስርዓቱን ዝዕድም፡ ንምህናጽ ሕብረ-ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ዝካየድ ዘሎ ዘይሕለል ቃልሲ ሕራነ ዝፈጥር ምዃኑ የረጋግጹ።

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን
ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ
21 የካቲት 2014

ኣቶ ወልዱ ተኽለ፡ ተቓላሳይን መምህርን? ወይስ ደላይ ፍትሒን? II

ኣቶ ወልዱ ተኽለ፡ ተቓላሳይን መምህርን? ወይስ ደላይ ፍትሒን? II
ኣሰና ባይቶናን፡ መራኸቢናን፡ ኣዳራሽናን ወሲድና ክንቅጽል እናኣመስገንኩ እየ።

ንኹቡራት ደልይቲ ፍትሕን፡ ተቓለስትን፡ ንኹቡራት ኣንበብቲ  ጽሑፈይ ኣንቢቦም ንዝሃብዎ ደገፍ፡ምሕጽንታ፡ ወቐሳ፡ ነቐፈታ፡ መኤረምታ ንዝገበርኩምን ብሓፈሻ ሓጎሰይ ወሰን የብሉን። እምበኣር፡ ኣዳራሽ ደልይቲ ፍትሒ፡ ኣሰና ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ጽሑፍናን ኣቀራርባናን፡ ኣመላኽታናን፡ ዓላማናን ሓደ ካብ ኮነ፡ ክንመሃሃርን፡ ክንመዓዓድን፡ክንነቓፍን፡ክንደጋገፍን፡ ክንረዳዳእን፡ ሓበረታ ክንወሃሃብን፡ ናይ ኩላትና ሓልፍነት እዩ።
ኣቶ ወልዱ፡ ህድእ ንበል፡ ዘርእስቱ ኣብ ዝጸሓፎ ከመስግኖ ይፈቱ። ቀዳማይ ቀልጢፉ ንዝገበሮ ጽሑፋዊ መደረ ኣብ ሕብረተሰብ ኮነ ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ዘየድሊ ኣተራጓጉማን ኣረዳድኣን፡ ስለ ዝፈጠረ ይቕረታ ብምሕታቱ ቅቡል ስጉምቲ ወሰደ። ዝምስገን ቖራጽን፡ ተባዕን፡ ስጉምቲ እዩ። ቀዳሞት ኣቦታት ክዛረቡ ከምዚ ይብሉ፡ ወዲ ጭዋ ዓደቦ ዓገብ ክብልዎ ኸለዎ ቀልጢፉ ይእረም። ዓደቦይ ኣይትሓዙለይ! ከጉህየኩም ኣይግባእን በዲለ ኣለኹሞ ምሓሩኒ ይብል። ኣቶ ወልዱ፡ ብትብዓትካን ብጻዕርኻን ብቓልስኻን ከመስግነካ ይፈቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ከብርሆ ዝደሊ፡ ንሓቂን፡ ንፍትሕን፡ ዝቃለስ ምድጋፍን፡ ምምካርን፡ድኣምበር፡ ንማንም ሰብ፡ ሕጊ ዝረግጽን፡ ወጻዕን ዝኾነ ሰብ ዝቃወምን፡ ወይ ድማ ወጻዒ ተግባራት ዘለዎ ዜጋ ዝድግፍን፡ ዝጣበቕን ኣይኮንኩን።

ንኣቶ ኣለም ጎይቶኦም፡ ተጣቢቕካ ንዝብል፡ ኣይፋሉን ኣነ እዃ ድኣ፡ ካብ ካልእ ሰብ ንላዕሊ ይነቕፎ።እንተኾነ ግዳ ኣቶ ኣለም፡ እናሰምዔ ዝደቀስ ነቕኒቕካ ነይተተስኦ፡ ስለ ዝኾነ ዝልወጥ ወይ ዝቕየር ሰብ ኣይኮነን። ኣቶ ኣለምን ዝኣጎለ እንቛቑሖን ሓደ ገይረ፡ እየ ዝወስዶ። ዝኣጎለ እንቛቑሖ፡ ደርሆውን ኣይትሓቑፎን እያ፡ ጠቢስካውን ኣይብላዕን እዩ። ተግባር ኣቶ ኣለም ይጋሓፍ ጥራይ እዩ። ኣቶ ኣለም ተግባሩ ጉሓፍ እዩ፡ ከም ሰብ ግና ሰብኣዊ ክብሩ ክንሕልወሉ ግደታ ናይ ደለይቲ ፍትሒ እዩ። ብኢደ ወነናና ሕጊ ክንወስድ ወይ ስጉምቲ ክንወስድ መሰል የብልናን። ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘቖምናሉ እዋን ብሕጊ ዘኽስስ ገበን ዘርዚርካ ክኽሰስ ይካኣል።

ነፍሲሄር ናይዝጊ ክፍሉ፡ ኣብ ዝገበርክዎ መልቀስ፡ ተግባሩ፡ ክፍኣቱን፡ ተጋድሎኡን፡ ትብዓቱን፡ ሃገራውነቱን፡ መንነቱን፡ ጉድለታቱን፡ ብመልቀስ ቀሪቡ እዩ። ምስ ሞተ፡ ኣብ ዓዱ ንኸይቅበር ክኽልከል ከሎ ግና፡ ናይ መሰል ሕቶ እዩ። ፍትሓውያን ተቓለስቲ ምእንቲ ፍትሒ ወጽዓ ወድሰብ ጠጠው ምባል ትብዓትን ጭውነት እዩ።
 
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርግስ፡ መጀመርያ ከም ሰብ ዝረኣኽዎ፡ ኣብ ዋሲንግቶን ዲሲ ብ1992  ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ተኻፊለ ነይረ። ኣነውን ዝነበርክዋ ሽማግለ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ንኣስመራ ዩኒቨርሲት ሓገዝ ሓቲትና፡ ኣጆኹም መጺእኩም ውሰዱ ዝብል መልሲ ተዋሂቡና ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ኣቶ ዓንደብርሃን  ናይ ኣስመራ ዩንቨርሲቲ ፕረሲዳንት፡ ብምንባሩ ኩሉ ሰብ እንታይ ከበርክት ዝብል ፍናንን ስምዒት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ በቲ ዝነበረ ኣገባብ ኣዘራርባ ደሲነት፡ ብጻይ ዓንደብርሃን መጽሕፍቲ ንረክብ ኣለናሞ! ንኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ቀዳምነት ዝዋሃቦም ፋካልቲስ ንገረናሞ! ዘድሊ መጻሕፍትን መሳርሕን ክንሰደልኩም ኢሉ ካብ ሽማግለ ምስ ሓተተ?

ብጻይ ዓንደብራሃን ዝሃቦ መልሲ፡ከምዚ ነበረ፡ መኤከብ ጎሓፍ ኣመሪካ ክንከውን ኣይንደልን ኢና። እዚ ኣብ ሃርቫድ ዩኒቨርሲቲ ዝተማህረ ሰብ፡ እዝስ ኣብ ዚ ሃገር ተማሂሩ ዝባሃልሓሳብ ኣብ ኣእምሮይ መጸኒሞ! ቀብጽክዎ። እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ እዚ፡ ሰብ መጽሓፍ ኣንቢቡ ንኸይፈልጥ ዝኽልክል፡ ቀጺሉ ኣይውዓለ፡ ኣይውሕደረ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ እንታይ ከምዝገጠመ ኩሉ ዝፈልጦእዩ። ኣምባሳደር ዝብሎውን፡ ናይ ሃገር መዓርግ ስለ ዝኾነ እየ! ኣምባሳደር ዝብሎ ዘለኹምበር፡ እዚ መሃንድስ ድንቁርና፡ ሃገር ኣብ ጸላም ዘእተዉ ሙሁር፡ ኣገልጋሊ ናይ ጥፍኣት፡ ኣካል ናይ መብረስቲ ዓዲ እዩ። ነዚ ጽዩፍ ተግባር ዝፍጽም፡  ነዚ እከይ ዝተግባሩ ኣይድግፎን እየ። እንተኾነ፡ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ፡ ሕጋውያን ስለዝኾና፡ መሰል ኩሉ ዜጋ ክንሕሉ ብሓላፍነት ንሕተት። ኣብ ቤት ፍርዲ ወስድካ ካብቶ ዝኽሰሱ ሓደ ምዃኑ ግን ኩሉ ዜጋ መዛግቡ ክሕዝ የማሕጽን።

መድረኽ ብቕንዕና ንህዝብና ከነገልግል ተዓጢቕና ኣለና፡ ዝሓለፈ ተግባርና ኮኒንና፡ ኣብ ሕዝብና ዝወርድ ዘሎ ወጽዓ፡ ከቢድ መሪርን ከም ምዃኑ መጠን፡ ምስ ሕዝብና ኮና፡ ክንቃለስ ተቐሪብና ኣለና። እንተድኣ ኢሎም፡ ህዝቢ ኤርትራ ክኣምኖም ዝኽእለሉ መርዳእታን፡ መግለጽን እንተድ ኣ  ኣቕሪቦም፡ ህዝቢ እንተ ተቐቢልዎም፡ ከም ማንም ኤርትራዊ ዜጋ ናይ ምቕላስ መሰል ኣለዎም። እዚ ክንብል ከሎና ግና፡ ኣብ ዝሓለፈ ተግባሮም፡ ኣብ ምጽናት ሃገር ኣብ ዝተገብረ፡ ጉዕዞ ብሓላፍነት ዘሕትቶም ምዃኑ፡ ብሸለልትነት ዝሕለፍ ኣይኮነን። እዞም ዝለዓለ ትምህርቲ ዘለዎም ዜጋታት፡ ኮነ ኢሎም፡ እንተ ብጸቢብ ጥቕሚ ሰሲዕም፡ እንተ ጸቢብ ወገናዊ ኣትዓባብያ፡ ወገን፡ ከባቢ፡ ኣውራጃውነት፡ ኣጥቒዕዎም፡ ዝገብርዎ ምትላልን፡ ምድንጋርን፡ ብቐሊሉ ዝርኤ ኣይኮነን።

ሓደ ሓደ ከም ወር ዝንገር ወዲ ብዓታይ፡ ኣብ ኣዋሳ 600 (ሽዱሽተ ሚእቲ) ኤርትራውያን ኣብ ዝተገብረ ጉባኤ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ኣብ ገብረስላሴ ሆተል ዓራት ሒዙ ከም ዝነበረ፡ ኣብ ቀረባ ኮይኑ፡ ይከታተል ከም ዝነበረን ሓበረታ ኣሎ፡ ይብሃል።

እንታይ ክንዕዘብ ንኽእል፡ ወኪል ኢሳያስ ዕሉል ሽፍታ፡ መጽነቲ ሃገር ስለላ የካይደሉ ምንባሩ አዩ ዝሕብር። ሓደ ሓደ ኤርትራውያን ሰብ ባጀላ፡ ሃገር ኣብ ምጽናት ዓቢ ኢድ ከምዘለዎም ክንፈልጥ ይግባኣና። ሕጂ ግና ሓበረታ ኣብ ምእካብን፡ መን እንታይ ገበረ ከነ ስተውዕል ጥራሕ እዩ ግደና።

መጀመርታ ከብርሆ ዝደሊ ኣነውን ተቓላሳይን መምህርን፡ ንፍትሒ ኢለ ስለ ዝኣምን፡ ንፍትሒ ዝቃለሱ ድማ ከመይ ገይሮም ይበልሑን፡ ይበስሉን፡ ከም ኩናት በላሕቲ ኮይኖም፡ ኣብ ኣእምሮን ቀልብን፡ ኣሕዋቶም፡ ኣሓትን፡ ህዝቦምን ተቐባልነትን፡ ተኣማመንነትን፡ ክረኽቡ እዩ። ከምኡ ድማ መኺሮም ከስምዕሉ ዝኽእሉ መንገዲ ምሕባር፡ ክእለተይ ከበርክት እዩ ድልየተይ። በዚ መሰረት ብምግባር፡ ኣብ እንጽሕፎ ኮነ፡ ኣብ ዕለታዊ ኣዘራርባና፡ ኣብ መግለጺና፡ ኣኽብሮትን ትሕትናን፡ ስነ ስርዓትን፡ ኣኽበርቲ ሕግን፡ ደለይቲ ፍትሕን፡ መሃርትን፡ ዕጉሳትን፡ ሓለይትን፡ ክንከውን ናይ ግድን እዩ።ኣብ እንገብሮ ምንቅስቓስን፡ ክትዓትን፡ ብኣፍልጦ ዘለዎ ኣገባብ፡ ብትዕግስትን ብልቦናን፡ ተቓለስቲ ክንከውን ከለና የኽብረናን፡ የኹርዓናን፡ የተኣማምነናን እዩ። መሲሉኒ፡ ኢሎምና፡ በልካ ለኽዓካ፡ ዝድገም ዘይኮነ ዘረባ ብደለይቲ ፍትሒ ክቐርብ የብሉን። ጽፈትን፡ ሓቅነትን፡ ስነ ስርዓትን፡ ኣኽብሮትን፡ ላዛን ትዕግስትን እዮም መሳርሒና።

ከምኡ ድማ፡ ፖሎቲካውን፡ ሕጋውነት ፈላሊኻ ምፍላጡ ድርብ ሓልፍነት ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሒ ከምዝኾነ ክንግንዘብ ይግባኣና። ምኽንያቱ ንሕና እዞም ደለይቲ ፍትሒ እንባሃል፡ ነቲ ተወጺዑ እናሃለወ ወጽዓኡ ክፈልጥ ዘይከኣለ ከነፍልእጥ ናህና ግደታ እዩ። በቲ ሓደ ወገን ድማ ንሕና መጀመርያ ንነፍስና ሓራ ከነውጽእ ከቢድ ቃልሲ እዩ። ንነብስና ሓራ ምስ ኣውጻእና ኢና ንኻላኦት ዜጋታትና ሓራ እነውጽእ።ሓቀኛን ፡ ፍትሔኛን፡ትብዓተኛን፡ ብምዃና ተኣማንነትና፡ የደልድሎ፡ ፍርሒን ራዕድን የጥፍእ።

ሓደ ሰብ ኣነኮ ደላይ ፍትሒ እየ!!! እንተድኣ ክብል ኮይኑ፡ ሕጊ ዘኽብርን፡ ዝመጾ ዝፈልጥን ምስ ዝኸውን፡ ዋላውን ነቶም ዝጸልእዎ እንተኾነውን፡ ሰብኣዊ መሰሎም ንኸይድፈር፡ ንኸይግፈፍ፡ ንኸይቕንጠጥ፡ ምስ ዝከላኽ እዩ። ፍትሓውነት ዝኣምን ኣብ  ወገነይ ወገንካ ዝምባለ ከሕድር የብሉን።  ሰብ ፍትሓዊ እዩ ክበሃል እንተኮይኑ ሓቅነት ፍትሓውነት ግሉጽነት ከዘውትር ይግባእ። “(ጸባ ላም ይፍላሓ ጸባ ጤል ይጽንሓ) ክኸውን የብሉን። ጸባ ክፈልሕ እንተድኣ ኮዩ ኩሉ ክፈልሕ ኣለዎ።
 
መደምደምታ፡ ንደለይቲ ፍትሒን ተቓለስትን፡ ኣብ እንገብሮ ዕለታዊ ጉዕዞና፡ ህግደፍ ዘፍረሶ ክንሓንጽ፡ ህግደፍ ዘርስሖ ከነጽሪ እዩ።  ጉጅለ ህግደፍ ኣዕነውቲ እዮም፡ ኩሎም ግና ኣይኮኑን፡ ንኹሎም ኣብ ሓደ ደምበ ኣይነእትዎም፡  ህግደፋውያን ክንብል ከምዘይብልና፡ ህግደፋውያን ኣብ ሞንጉኦውን ንጹሃት ክህልዉዎም ስል ዝኽእሉ፡ንጹህን፡ ወጻዕን ዝኾኑ ክንፈላሊን፡ ከነለልዮም ናህና ብቕዓትን መንፍዓትን ጥራይ ዘይኮነስ፡  ድርብ ሓልፍነት ስለ ዝኮነ ብምዝካር፡ ነዚ ፈሊጥና ተጠንቒቕና፡ ቃልስና ኣመሃህራና ከነማዕብል ሓልፍነትና እዩ።

እቲ ዝኸበደን ኣድካምን ኣከራኻሪን፡ መሕረቕን መነደርን ዝኾነ መሰል ዲሞክራሲ እዩ።ዲሞክራሲ ማለት ነቶም ዘይትፈትዎን ዘይፈትዉኻን፡ መጻርርትኻን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኣኽቢርካን፡ ኣሔንቒቕካን፡ ተኸናኺንካን፡ ተጸሚምካን ከተሕድሮም እዩ። ብዝሒ ስለ ዘለና ተዓዊትናሞ! ኣበይ ከይበጹ ክብሃል ኣይከ ኣልን፡ ህዝባዊ ሓይልልታት፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግንባር ንሕግን ዲሞክራስን፡ ሕጊ ካብ ቀደሙ ከየኽበረ ስል ዝዓበየ፡ እንሆ ገቢሉ ህዝብና የብርስ።በጀካይ መን ኣሎ እናበለ ንዓለም ከቖናጽብ ከስተናዕቕን ይዉዕልን ይሓድርን። ኩቡር የኽብረካ ዓቕሚ ነብሱ፡ ሕሱር የሕስረካ ዓቕሚን ነብሱ ከም ዝብሃል፡ ኣኽበርቲ ዳኣምበር ነዓቕቲ ክንከውን የብልናን።

 ኤርትራ ሃገርና፡ ሕጋውን፡ ፍትሓውን፡ ዲሞክራሲያዊት ክትኮነልና እንምነያ ሃገር ስለ ዝኾነት፡ እቲ  ዘርኢ ሕጂ እዩ ዝዝራእ፡ እቲ ፈልሲ ዲሞክራሲውን ድማ ሕጂ እዩ ዝትከልሞ፡ ካብ ሎሚ እዩ ክዝራእን፡ ክትከልን ዘለዎ፡ ካብ ሎሚ ኣትሒዝና ንዝርኣዮን፡ ንትከሎን።
ዝዘራእካዮ ትሓፍስ ይብል ቅዱስ መጽሓፍ እሞ! ሰናይ ንዝራእ፡ ክርዳድ እናጸሃና ንኺድ።
 
ኣነውን ከይተፈለጠኒ ኣቐይመኩም ከይከውን እሞ! ንኹሉ ደላይ ፍትሕን ተቓላሳይ ይቕረታ እሓትት።
ዓወት ንውጹዕ ህዝብና
ሃይለ ገብረትንሳኤ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 20  ለካቲት2014

መድረኽ፣ ካበይ ናበይ?

 መድረኽ፣ ካበይ  ናበይ?
                                                 18 ለካቲት 2014

         ካብ ክፍላ 2013 ኣትሒዙ ኣብ ቆርበት ደምበ ተቓውሞ ሓደ ብንጹር ዘይልለ ጫሌዳ ቦቒሉ ርኢና። እዚ ብስም መድረኽ ኣብ ፖለቲካዊ ሰረገላ ኤርትራውያን ተወጢሑ ካብን ናብን ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ጉጅለ፡ ከምቲ “ነቓዕ ሓምሓም ንክትፈልጥ ማይ ኣእትወላ ዝበሃል፥ ክሳብ እቲ ዝበቖለ ባልጋ ብንጹር ዝልለን ሰራውሩ ዝፍለጥን፣ ነዞም ሰባት ገማጢልና ክንከታተሎም ጸኒሕና። እዞም ሰባት ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ኣብ ረዚን ሓላፍነት ስርዓተ ህግደፍ ዝነበሩ እውን ኢዮም። ብዛዕባ ኣብ እዋን ገድሊ ይኹን ግዜ ናጽነት ዝነበሮም ሓላፍነትን ጉዳያትን ክንጸባጸብ ኣይምደለናን። እቲ ምንታይ፡ ህዝብና ኣብ ደረጀ ኣፍ-ኣርክቡ ስለዘሎ። እቲ ምስ መድረኻውያን ዘተሓታትት ዘሎስ፡ ካብ ኣበጋግስኦም ዘይንጹርን  መንገዲ ለይቲን ስለዝተኸለሉ ጥራይ ኢዩ።
        ስለዚ ብዙሓት ሰባት ገለ ዶ ኾን መደያይቦ ናብ ጥርዚ ሓርነት ተረኺቡ ይኸውን ዝብል ሃሳሰ-ለባም ኣይተሳእነን። ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ንጥፍኣት ርብዒ ጎደል ዘለወሉ ግዜ፡ ብኡን ፈረቕኡን ዝበሃል ተወስር ክተርፍ ምተገብአ። ገለ ተቓለስቲ ካብ ምምስራት መድረኽ ኣትሒዞም ዝከኣሎም ከቃልዑ ጸኒሖም ኢዮም። ናይ መድርኻውያን ጥራይ ዘይኮነ ከኣ፣ ኣብ ከባቢኦምን ብድሕሪኦም ዝነበረ ደበንገረን ክቕላዕ ነይሩዎ። ሓያለይ ሰባት ንኣከያይዳ መድርኻውያን እናፈለጡዎ ክነሶም፡ ዛጊት ገለ ሓበሬታ በጨቕ ኣየበሉን። እዚ ህዝቢ እዚ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብበበይኖም ሕብርታት ክደናገር የብሉን። እዚ መንእሰይ እዚ ብሰንኪ ህግደፍ ዝተኸተሎ ናይ ኣጥፊእካ ጥፋእ ፖሊሲ፡ ናይ ታሪኽ ዘኽታም ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ታሪኹን መንነቱን ክፈልጥ ደኣ እምበር ናብ ዕግሽግሽ ክኣቱ ኣይመድለየን። ደጊም ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ዝተረፈ ነገር የለን። ምድንጋር ከኣ ይኣክል! 
        ስለምንታይ መድርኽ? መድረኽ እንታይ ኢዩ? ቀንዲ ተዋሳእቲ መድረኽ መነመን ኢዮም? ከባቢያዊን ዓለም-ለኻዊን ዝምድንኦም ከመይ ይመስል? ዘካየዱዎም ሕቡኣትን ግሁዳትን ኣኼባታት ኣበይ ነበሩን ከመይ ይመስሉን ነበሩ? ወ.ዘ.ተ… ብህድኣት ክንርእዮም ጸኒሕና።
        መድረኽ ንጽገና ዝተበገሱ ድዮም ወይስ ንመሰረታዊ ለውጢ? ኣብ ስርዓት ህግደፍ ዘይመሽመሸ ኣካል የለን። ስለዚ ጽገና ነየናይ ኣካል ህግደፍ ኣልዮም ኢዮም ነየናይ ከትርፉ? ኣየናይ ኣካል ኢዩ ክጥባሕ? ኣየናይ ኣካል ከ ክስፈ ኣብ ዘይበሃለሉ፤ ንመሰረታዊ ለውጢ ኢና ተበጊስና እንተዝብሉ ዶ ኣይመምሓረሎምን። ኣብ ከምዚ እንርእዮ ዘለና፡ እሞ ከኣ ገበነኛ ኢሳይያስ ምስዚ ትማሊ ዝገበሮ ናይ ኣኽር ንዕቀት ቃለ-መሕትት ከመይ ገይሮም ኢዮም ንህዝቢ ኤርትራ መሰጋገሪ ቢንቶ ክኾኑዎ?
        << … ኣብ ውሽጢ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ድሉዋት ሰባት ኣለዉና። እዛ ሃገር ዳግማይ ሶማል ከይትኸውን ጥራይ ብደገ ዘለኹም ሓደ ኩኑ እምበር ንኢሳይያስ ብኢዱ ክንሕዞ ንኽእል ኢና። ንዓኹም ንምጽባይ እንተዘይኮይኑ ኩሉ ወዲእናዮ ኢና … ምስጢራዊ ውዳቤና ከኣ ተጻፊፉ ኢዩ>> ዝብል ሃበስ-ቀደስ እኳ እንተሰማዕና፡ ካብ ንዓመታ ደርሆስ ሎሚ ዘበን እንቋቑሖ ከም ዝበሃል፣ እቲ ፍታሕ ንህዝቢ ኤርትራ ሎሚን ሕጂን ክኸውን ምደለናዮ። እቶም ብኢዱ ክንሕዞ ንኽእል ኢና ዝበሉዎምሲ ክሳብ ዮም-ኣል-ቕያማ ድዮም ክጽበዩ? ብኢዱ ክሕዝዎ ዝኽእሉ እንተኾይኖም ከ ሃገር እናጸደፈትን ህዝቢ እናጸነተን እንታይ ኢዮም ክጽበዩ?
        ጉጅለ መድረኽ ዝምድንኦም ምስቲ ናይ ለውጢ ሓዋርያ ዝኾነ መንእሰይ /ደብረዘይቲ፡ ቦሎኛ/ ብከመይ ኢዩ ዝምዘን? ምስ ደምበ ተቓውሞ … ብዘይ ኣፈላላይ ጀብሃን ሻዕብያን ከመይ ነይሩን ኣሎን ኣብ እንዕዘበሉ ከኣ፡ መንገዶም ብንጹር ክልለ ተኻኢሉ ኣሎ። ቅድሚ ብዛዕባ ሓደ ጉጅለ ምዝራብ፡ እቶም ንጉጅለ መድረኽ ዘቖሙ ሰባት በብሓደ ምርኣዮም ኣገዳሲ እመስለኒ። ስለዚ እዞም ሰባት እንታዎት ኢዮም? ኣብ ደገ ካብ ዘለዉ ተቓወምቲ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር ከ ንበዓል መን ሒዞም? ከመይ ዝበለ ጻውዒት ገይሮም? ኣየናይ ሃገራዊ ዋዕላን ምትእኽኻብን ገበሩ? ገሊኦም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝተራእዩ እኳ እንተኾኑ፡ ገሊኦም ግን ብጋህዲ ኣይነበሩን። እቲ ዘተሓሳስብ ዘይምንባሮም ዘይኮነስ፡ ኣከያይደኦም ኢዩ። እቶም ኣብ ቅድሚ መጋረጃ ዝተራእዩ ኣባላት መድረኽ፥
               1. ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ
               2. ዶክተር ኣሰፋው ተኸስተ
               3. ኣቶ ዓብደላ ኣደም  ኢዮም።
        እዚኣቶም ኣብ ቅድሚ መጋረጃ ዝተራእዩ እኳ እንተኾኑ፡ ብሰንኪ ዘይግሉጽነቶም ግን ካልኦት ብድሕሪ መጋረጃ ዝተሓብኡ ጎሓላሉ ክህልዉዎም ከም ዝኽእሉ ንጥርጥር ኢና። እሂናይ ደኣ ዘይንጥርጥርሲ! መራሒ ህግደፍ ገበነኛ ኢሳይያስ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ህዝቢ ኤርትራ ንምብትታን ዘይፈተኖ እከይ ተግባራት ከም ዘየለ ኮ ንፈልጥ ኢና። ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጭፍራ ህግደፍ ዝነጥፈሉ ጉዳይ ምብትታን ደምበ ተቓውሞ ኢዩ። እዚ ስራሕ እዚ ከኣ ካብ ምእሳር ጉጅለ 15 ብናህሪ ይሰርሕ ነይሩን ኣሎን። ከምቲ ብተደጋጋሚ ንጽሕፎን ንዛረቦን ዝነበርና፤ ሎሚ እውን ዓው ኢልና እንደግሞ፣ ኣብ ደገ ካብ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ደምበ ተቓውሞ ድማ ብፍላይ፣ እቲ ቀንዲ እሙን ሳተላይት ኢሳይያስ፡  መስፍን ሓጎስ ኢዩ።
        መስፍን ከምቲ ስጋ ዓሳ ከይሓረድካዮ ሕሩድ ዝበሃል፡ እሙን ኣገልጋሊ ህግደፍ ምዃኑ ካብታ ዝወጸላ መዓልቲ ኢዩ ተፈሊጡ። መስፍን ብዘይካ ኣብ ዘመነ-ኢሳይያስ ብድሕሪኡ ክነብር ኣይክእልን ኢዩ። መስፍን ኣብ ህዝባዊን ቅዋማዊን መንግስቲ ኤርትራ፡ መንበሪ ፍቓድ ከም ዘይረክብ ኣጸቢቑ ስለዝፈልጥ፡ ንዝሓልቀመ መሓውር ህግደፍ ብመራኹስ ካብ ምድጋፍ ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን ኢዩ። በቲ በብዓመቱ ዝቃልዖ ዝነበረ ግሁድ ተግባራቱ፡ ሎሚ ንወላ ሓደ ሰብ እውን ከእምን ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ ኮምፓስ ኢሳይያስ ኣብ ደገ ንዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ንምትላል ንካልኦት ጳጳሳት ክትደሊ ነይሩዋ። መስፍን ሓጎስ ከም ተመን ክረምቲ ቆርበቱ ካብ ዓርደደ፣ ካልኦት ሓድሽ ዕፋፈት ዝቐየሩ ተዋሳእቲ ክወፍሩ ነይሩዎም። እዚ ድማ ግድነታዊ ክላሲካዊ ኣከያይዳ ስለያዊ ተግባራት ኢሳይያስ ኢዩ።
       እስከ ናብዞም ንመድረኽ ዘሳስዩ ዘለዉ ተዋሳእቲ ጋእ ንበል። ብዛዕባ ኣቶ ዓንደብርሃንን ዶክተር ኣሰፋውን ንግዚኡ ዝብሎ ጉዳይ የብለይን። ግን ኩሉ ግዜ ንቕድሚት ቅድሚ ምብጋስ፡ ንድሕሬኻ ምርኣይ ወይ እውን ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ሎሚ ጥራይ ምዝራብ፣ ናይ ትማሊ ዝነበረ ጉዕዞ ምምርማር ኣገዳሲ ኢዩ። ዓብደላ ኣደም መን ኢዩ? ታሪኹ ኣብ ዘመነ ገድሊ ሞ ይጽንሓልና! ብቐንዱ ካብ ስርዓት ህግደፍ ሃዲሙ ድዩ? ዓብደላ ኣደም ሃዲሙ ኣብ ዝተባህለሉ ግዜ፣ መራኸቢ ብዙሓን ህግደፍ /ረድዮ ድምጺ ሓፋሽ/ ዓብደላ ኣደም ብህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ ንዝተዋህቦ ሕድሪ ጠሊሙ ከም ዝኸድዐ ተዛሪባ ምንባራ እዝክር።
        ስለምንታይ ንዓብደላ ኣደም ጥራይ ተዛሪባትሉ? ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዝለዓለ ሓላፍነት ዝነበሮም ነቲ ስርዓት እንተ ብሓቂ፡ እንተስ ብውዲት ራሕሪሖሞ ዝኸዱ ገዳይም ተጋደልቲ ነበር ኣይተዘርበሎምን።“ኣቶ ዓብደላ ኣደም ካብ ሱዳን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ኣተወ፡ ናብ ደምበ ተቓውሞ ንክጽንበር ኣይደንጎየን። ታሪኹ ከም ዝምስክሮ ከኣ ካብ ዝጽንበር ክሳብ እዚ ቀረባ እዋን ብዘይካ ንዘዝረግአ ምብታን፡ ንሱ ዘርግኦ ሓሊብን ዝሓቖኖ ኣልባን ኣይነበሮን። ስለዚ ሎሚ ደኣ ከመይ ዝበለ ሱባኤ ኣትዩ ኢዩ መሰጋገሪ ድልድል /ቢንቶ/ ኮይኑ ናብ ኤርትራ ከእትወና።
        ደምበ ተቓውሞ ንገዛእ ርእሱ ንሓሸውየ ዝተፈጥረ ዕንኪላሎ ደኣ ኮይኑ እምበር፡ ተራን ኣከያይዳን ዓብደላ ኣደም ዘይተዓዘቦ ኣይኮነን። ስለዚ ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ካብ ሎሚ ዝነቀወ ዝብኢ ኣየሕደረንን፡ ከም ዝበሃል፤ ካብ ሎሚ ሌላን ጉሌላን ከምኡ ድማ መንገዲ ጸልማት ምኻድ  ዝጀመሩ ጉጅለ መድረኽ፣ ደላዪ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፥ መንእሰይ ወለዶ ከኣ ብፍላይ ከቃልዖምን ክፍንፍኖምን ከም ዝግባእ ከዘኻኽር እደሊ። ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ነባሪ መስተርሆት ንምርካብ፡ ኣብ ውሽጢ ምስ ዘሎ ህዝቢን ሰራዊትን ሰንሰለት ክፈጥር ኣለዎ።  ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ መሰረታዊ ፍታሕ ንጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ካብ ውሽጢ ኢዩ።
         ባይቶ ብመኣዝንቲ፡ ዓይበት ብመቛርንቲ ከም ዝበሃል፤ ሓለፍቲ መድረኽ ኣብ ክንዲ ብጸልማት ብብርሃን እንተትኸዱ፡ ኣብ ክንዲ ንበይንኹም ከኣ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ደቂ ኤርትራ እንተትመኽሩ መምሓረልኩም። ንሕና ጥራይ ኢና ለባማት፡ ንሕና ጥራይ ኢና ምሁራት፣ ንሕና ጥራይ ኢና ተቓለስቲ … ንሕና ጥራይ ኢና ክንመርሕ ዝግባእ ምባልኩም፤ ኣል-ጂዓን የሕለም ቢል ዒሽ!!
 
ሞት ክናና ንኢሳይያስ!
ራህዋ ንህዝቢ ኤርትራ!!
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/