ዞባዊ ኮንፈረንስ ዞባ ሰሜን ኣሜርካ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ብዓወት ተዛዚሙ

ዞባዊ ኮንፈረንስ ዞባ ሰሜን ኣሜርካ
ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ብዓወት ተዛዚሙ

ካብ 21 ክሳብ 23 መጋቢት ኣብ ከተማ ኣትላንታ ጆርጅያ ሰሜን ኣመሪካ ዝተኻየደ ዞባዊ ኮንፈረንስ ኣሜርካ ኤስደለ ኣብ ህልዊ ሃገራዊ፡ ከባቢያዊ፡ ኩነታት ከምኡ’ውን ህልዊ ውድዕነት ደንበ ተቓውሞ ብሓፈሻ ኣተሃላልዋ ኤሃባደለ ድማ ብፍላይ ብዕምቆት ዘትዩ። ኤርትራ ኣትያቶ ዘላ ፖሎቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላው፡ ኣብ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ደረጃ ወዲቑ ምህላዉ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ንገብሮ ቃልሲ ንጽባሕ ይጽንሓለይ ዘየብል ናይ ኣፈ-ርክቡ ኩነታት ምዃኑ መዚኑ። ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ  መንእሰያት ድማ ብፍላይ ኣብ ሃገርና ዘለዎም መጻኢ ዕድል ጸልሚትዎም ካብ ሃገሮም ሃጽ ኢሎም ናብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ክነጥቡን ኣብ ጉዕዞኦም ድማ እዚ ዘይበሃል መሪር ስቅያት ከሕልፉን ክሳብ ኣካላቶም ተጎዛዝዩ ክሽየጥን ሂወቶም ክስእኑን ብከቢድ ሓዘን ንዕዘቦ ዘለና ጉዳይ’ዩ።
 
እዚ ከምዚ ዝበለ ድቃስ ዘይህብ ኩነታት ቀልጢፍና ክንቅይሮ እንተድኣ ኮይንና ድማ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ሕድሕዱ ዘሎ ምቅርራብ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ኣማዕቢሉ ፍልልያቱ ብዝግባእ ኣመሓዲሩ ጸረ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ከሓይል ከም ዝግባእ ርእዩ። ኮንፈረንስ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ንስምረትን ሓቢርካ ምስራሕን ዘለዎ ውፉይነት ከም ወትሩ ደገፍቱ ምዃንና ኣስሚሩሉ። ኣብ ርእሲኡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ምስቲ ኩሉ ክህልዎ ዝኽእል ድኽመታት እቲ ዝሓሸ ዝተጠርነፈ ኣካል ስለ ዝኾነ ዘለዎ ድኽመታት ወጊዱ ኣብ ምልጋስ ገባቲ ስርዓት ህግደፍን ምምስራት ሰላማውን ደሞክራሲያውን መሰጋገሪ መንግስቲ ዝሓሸ ዝተጠርነፈ ጽላል ምዃኑ ርእዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ኤሃባደለ ዕዉት ክኸውን ዓቕምና ዘፍቅዶ ኩሉ ካብ ምግባር ድሕር ከም ዘይንብል ኣረጋጊጹ።
 
ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ውልዶ ዘተን ስምረትን ሓሙሽተ ፖሎቲካዊ ውድባት ከም ምዃኑ መጠን ሓያል ጎድንናን መለለይናን ስምረት’ዩ። ሕጂ’ውን እንተኾነ ውድባት ኤርትራ ብክንድ’ቲ ክቀራረብኦ ዝኽእላ ደረጃ ኣብ ናይ ሓባር ስራሕ ክጽመዳ ከም ዘለወን እቶም ኣብ ፖሎቲካዊ ፕሮግራሞም ፍልልይ ዘይብሎም ውድባት ድማ ግዜ ከይበልዑ ኣብ ሓደ ክጥርነፉ ከም ዘለዎም እምነቱ ምዃኑ ዘረጋገጸ ውሳኔ ውድብና ይድግፍ።

ብዘይካ’ዚ ነቶም ንምምስራት ሰፊሕ ጽላል ንፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ውሳኔ ዝበጽሑ ውድባት ምሉእ ደገፉ ይገልጽ። ኩለን  ውድባት ኣብ መንጎኤን ዘሎ ፍልልይ ብዝግባእ ኣመሓዲረን ክኸዳ እንተኺኢለን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ካብዚ ዝጸንሖ ድኽመታት ክላቐቕ ከም ዝኽእል እምነትና ምዃኑ ነረጋግጽ። ከምኡ’ውን ኤስደለ ይኹን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ነቲ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዘሎ ናይ ምሁር ዓቕሚ እቲ ዝግበኦ ቆላሕታ ክገብሩሉ ከም ዘለዎም ንርኢ። ከምኡ’ውን እቲ ብሰንኪ ዘይፍትሓውን ዘይደሞክራስያውን ምሕደራ ህግደፍ ካብ ፖሎቲካዊ ኩነታት ሃገሩ እናረሓቐ ዝኸይድ ዘሎ መንእሰይ ሃገርና ብክጭበጥ ዝኽእል ሰውራዊ ተግባራት ኣብ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ውዑይ ተርኡ ክጻወት ክበቅዕ ጻዕርታት ክግበር ከም ዘለዎ ብምእማን ዞባና ኣብዚ መዳይ’ዚ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ በርቲዑ ክሰርሕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
 
ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዕድመ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ እናሓጸረ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ሕሰም ድማ ብኡ መጠን እናሓየለ ይመጽእ ከም ዘሎ ንግንዘብ ኣለና። በዚ ምኽንያት ድማ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት መዛረቢ ምሉእ ዓለም ኮይኑ ዝጸንሐ ዋሕዚ ስደተኛታት መሊሱ ክውስኽ ጌርዎ ኣሎ። እዚ ተርእዮ’ዚ ደው ክብል ዝኽእል ድማ ስርዓት ህግደፍ ክውገድ እንተኺኢሉ ጥራሕ ስለ ዝኸውን ኩሎም ደለይቲ ፍትሕን ተቓለስቲ ሓይልታትን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሓድነቶም ኣደልዲሎም ጸረ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝቐንዕ ቃልስታቶም ከባራትዑ ዞባና ይጽውዕ። ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ምስ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሳሆ ኤርትራ ምስ ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ዝጀመሮ ዝምድና ከበራትዕን ንዕዉት ሰሚናሮም ቀጻልነት ክህልዎን ርእዩ። ኤስደለ ሕጂ’ውን ምስ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ( ሰደግኤ) ብፖሎቲካዊ መስመር ዝልለ ፍልልይ ብዘይምህላዉ፡ ስለዚ ክልቲኡ ውድባት ከይሰምሩ ዝዓግት ብቁዕ ዝኾነ ምኽንያት የለን ዝብል ጽኑዕ እምነት ውድብና ንድግፍ።
 
ኣብ መደምደምታ ድማ ኣብ ኮንፈረንስና ዝተሳተፉ፡ መግለጺ ደገፎም ንዝለኣኹ ውድባት ሰደግኤን ደምሳኤን፡ ካብ በርጌሳዊ ማሕበራት EFND: ኢጂኤስ (EGS) ከምኡ’ውን ካብ ዝተፈላለየ ዞባታት መግለጺ ደገፍ ንዝሰደዱልና ኣባላት ኤስደለን ደገፍትን ልባዊ ሞጎስና ነቕርብ። ኣብ ጉዕዞና ይኹን ኣብ ስራሕና ንዝተሓባበሩናን ሞራል ዝሃቡናን ግዱሳት ሃገራውያን ኩሎም ድማ ነመስግን።

ዓወት ንደላይ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ
ውድቀትን ሞትን ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ
ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሰማእታት ኤርትራ

ዞባ ሰሜን ኣመሪካ
ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)
27 መጋቢት 2014

 

 

 

ዜና ዕረፍቲ

 ዜና ዕረፍቲ
                                    ረድኢ መሓሪ /ኣለና/    27-03-2014  

         ሰብ ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ጋሻ እምበር ነባሪ ኣይኮነን። ብካልእ ኣበሃህላ፡ ዓለም ገዛ ክራይ ኢያ ይበሃል ኢዩ። ሓቂ ኢዩ! ወዲ ሰብ ካብዛ ዓለም ቅድሚ ምፍናዉ ግን ኣብ ጉዕዞ ሂወቱ እንታይ ኣበርኪቱ ዝብል ሕቶ ኣሎ። ቀጺሉ እውን ሓድጊ ገዲፉ ዶ ይበሃል ኢዩ። ከም ስዉእ ኣሕመድ ወርቃዊ ታሪኽ ዝነበሮም ኣብ ዘዕርፍሉ ግዜ ከኣ፡ ሓበን እምበር ብኽያት ኣይመድለየን።

       መስዋእቲ ክቡር ተቓላሳይ ኣሕመድ ናስር  ዕለት 26 መጋቢት 2014 ሰሚዕና። ናብቲ ዝተበገሰሉ ዕላማ ቅድሚ ምብጽሑ ብምስዉኡ ከኣ ጉሂናን ሓዚንናን። ተጋዳላይ ኣሕመድ ናስር ሙሉእ ዕድመኡ ንናጽነትን ሓርነትን ህዝቡን ሃገሩን ዝተቓለሰ ሓርበኛ ኢዩ። ኣብ ታሪኽ ኤርትራውያን ከም ኣሕመድ ናስር ሙሉእ ሂወቶም ንቃልሲ ዝወፈዩ ዜጋታት ውሑዳት ኢዮም። ንታሪኹን መዝገብ መንገዱን ዝቕይሮ ሰብ ድማ የለን።

        ምስ ክቡር ተጋዳላይ ኣሕመድ፡ ንክራኸብን ብዛዕባ ጉዳይ መንገድና ንክዘራረብን ብዙሕ ሃረርታ ነይሩኒ ኢዩ። ክልተ ግዜ ብስልኪ ከም ዝተራኸብና እዝክር። ደሓር ድማ ኣብቲ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ዝተገብረ ናይ መንእሰያት ዋዕላ፣ ብኣካል ተራኺብናን ብዛዕባ ሃገራዊ ጉዳይና እውን ተመያይጥና ኔርና ኢና። ስዉእ ኣሕመድ ኣዝዩ ምቕሉልን ዘይሕለል ኤርትራዊ ከም ዝነበረን እምስክር።

       ሰብ ኣብ ዓለም ነባሪ ኣይኮነን፡ ግን ከም ኣሕመድ ናስር ዝኣመሰሉ ገዳይም ተቓለስቲ ስለ እቲ ዝተጋደሉሉ ዕላማ፡ ፍረ ጻዕሮም ክርእዩን ሞሳ ክቕበሉን ምተገብአ። ሎሚ ውን ከም ኣሕመድ ዝኣመሰሉን ዝኣመሰልናን ካብታ ንሙሉእ ሂወትና ዝተቓለስናላን እንፈትዋን ክብርቲ ኤርትራ ርሒቕና ከይንስዋእን ኣብ ዘይንፈልጦ ሓመድ ከይንቕበርን ካብ ኣውራጃን ሃይማኖትን ከምኡ እውን ውድባዊን ሰልፋዊን ፍልልያትና ኣወጊድና ብሓደ ንክንሰርሕ  ግዜ የዘኻኽረና ኣሎ።

       ክቡር ተጋዳላይ ኣሕመድ ናስር በቲ ዝነበሮ ናይ ቃልሲ ጉዕዞ፡ ንገዛእ ርእሱ ቤተ መዘክር እምበር ውልቀ-ሰብ ጥራይ ኣይነበረን። ስለዚ ከም ኣሕመድ ናስር ዝኣመሰሉ ዜጋታትና ኣብ ዘዕርፉሉ ግዜ፡ እቲ ታሪኽ ቃልሲ ንናጽነትን ሓርነትን ምስኣቶም ከይቅበር፡ ኩላቶም ጸሓፍቲን ናይ ታሪኽ ተመራመርቲን ክስንድዎ ይግባእ።

       ንኣሕመድ ናስር መንግስተ ሰማያት የዋርሶ፣ መቓብሩ ይለምልም! ኣሰሩ ይጥለል!!
               ንስድራ ቤቱን ኩላቶም መቓልስቱን ድማ ረቢ ጽንዓት ይሃቦም።

 

 

 

መግለጺ ሓዘን – (ኤስደለ)

መግለጺ ሓዘን

ፈጻሚ ኣካል ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ብስም መላእ መሪሕነቱን መሰረታቱን ብ26 መጋቢት 2014 ብዝጋጠመ ሃንደበታዊ መስዋእቲ ተጋ/ኣሕመድ መሓመድ ናስር ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን የገልጽ።

ስውእ ተጋ/ኣሕመድ መሓመድ ናስር ኣብ ዕሸል ዕድሚኡ ምእንቲ ነጻነትን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ተሓኤ ተሰሊፉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ኮይኑ ዝተጋደለ፡ ዘጋደለን ዝመርሐን ልሉይ ሃገራዊ ባእታ’ዩ ነይሩ። ብድሕሪ ነጻነት’ውን እንተኾነ ህግደፍ ንኩሉ’ቲ ዕላማታት ሰውራ ጨውዩ ገባትን ዲክታቶያውን ስርዓት ምስ ሃነጸ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘብጽሕ ዘሎ መወዳድርቲ ዘይብሉ ኣደራዕ፡ ኢ-ሰብኣዊ ግፍዕታት፡ ግህሰታት፡ ነጺጉ ደኺመ ከይበለ ውሕስነት መሰልን ማዕርነትን ኩሎም  ዜጋታት ተረጋግጽ ደሞክራስያዊትን ፍትሓዊትን ኤርትራ ንምህናጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብዘይዝኾነ ተጉላባነት እናተቃለሰ’ዩ ካብዚ ዓለም ብሃንደበታዊ መስዋእቲ ተፈልዩ ዘሎ። መስዋእቲ ተጋ/ ኣሕመድ መሓመድ ናስር፡ ንቤተ-ሰቡን ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ዓቢ ክሳራ’ዩ።

ስውእ ተጋ/ ኣሕመድ መሓመድ ናስር፡ ምሉእ ዕድሚኡን ንእስነቱን ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ተቓሊሱ ከብቕዕ፡ ብስንኪ’ቲ ኣግላሊ ዝኾነ ፖሊስታት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ሓንቲ መዓልቲ ኣየር ዓዱ ከየስተንፈሰ ካብዚ ዓለም ብመስዋእቲ ምፍላዩ፡ ሕጂ’ውን እንተኾነ ኣብ ገዛእ ሃገሩ፡ ብኩሎም ቤተ ሰቡ፡ መቓልስቱን ፈተውቱን ብክብሪ ተሰንዩ ንቡር ስነ-ስርዓት ቀብሪ ብምስኣኑ፡ ፈጻሚ ኣካል ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ደጊሙ ዝስምዖ መሪር ጓሂ ይገልጽ።

ተጋ/ኣሕመድ መሓመድ ናስር መንግስተ ሰማይ ክወርስ፡ ኩሎም ቤተ-ሰቡ፡ መቓልስቱን ፈተውቱን ድማ ጽንዓት ክረኽቡ ድማ ይምነ።    

ፈጻሚ ኣካል
ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)
27 መጋቢት 2014

 

 

ቅሉዕን ምስጢራውን ዜናታት ደንበ ህግደፍ

ቅሉዕን ምስጢራውን ዜናታት ደንበ ህግደፍ

ምንጭታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

  1. ካብ ወርሒ የካቲት 2014 ንደሓር ዘሎ እዋን ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ዜጋታት ካብቲ ብ2013 ዝነበረ ብዕጽፊ እናወሰኸ ምምጽኡ፡ ኣብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት UNCHR የረጋግጹ። ኣብ ሰሙን ካብ 150 ክሳብ 200 ዝኾኑ፡ 86 ደቂ-ኣንስትዮን ዓበይቲ ዓድን ዘጠቓለለ ክኸውን ከሎ፡ 14 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ተረኸብቲ ሃገር ክኾኑ ዝኽእሉ መንእስያት ምዃኖም ይገልጹ። ብኢትዮጵያ’ውን ብተመሳሳሊ ናህሪ ስደት ካብቲ ዝነበሮ እናዛየደ ምምጽኡ ይሕበር። ኣብዚ ህሞት’ዚ ንዋሕዚ ስደት ክወስኽ ዘገደደ ምክንያት ከኣ፡ ገባቲ ኢሳይያስ ብ09 የካቲት 2014 ዘካየዶ ናይ ኣሽካዕላል ቃለ-መሕትት ምዃኑ ብርክት ዝበሉ ካብቶም ንስደት ዝውሕዙ ዘለው መንእስያት ይገልጹ። ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ምንጪ ኩሉ-መዳያዊ ጸገማት ኤርትራን ስደትን ኮይኑ፡ ህዝብን ሃገርን እናበተነ ከሎ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ሓለፍቲ ናይቲ መንግስቲ ብዘይተኣደነ ዶሎራት ኣብ ምስግጋር ደቂ-ሰባት ተዋፊሮም ከለዉ፡   ኢሳይያስ ብተደጋጋሚ ብጎረባብቲ ወይ ብሃገራት ምዕራብ ዝካየድ ዘሎ ሸርሕታት ኣምሲሉ ዝቕርቦ ፈተነታት ከንቱ ምዃኑ የረጋግጹ። ብካልእ መዳይ ድማ ንመንእስያት ብግለት፡ ሓተላ፡ ክልተ ጻሕሊ ዝለመዱ…………..ወዘተ ዝብል ናይ ጸለመ ኣስማትን ዘለፋታትን ክልጥፍ ብድሕሪ ምጽንሑ፡ ሕጂ’ውን ካብቲ ሕሉፍ ዘይእርኑብ ኣንደበቱ ፍጹም ከይተማህረ፡ እዚኣቶም ነቲ ብነጻ ዘምሃሮም ህዝብን መንግስትን ካሕሳ ከይከፍሉ ዝሃድሙ ዘለው ሰረቕቲ’ዮም፡ ሃልዮም ኣይሃልዮም ድማ ቅንጣብ ዝጎድል ነገርየለን ብምባል ዝሃቦ ዘይሓላፍነታዊ መግለጺ ብርቱዕ ቁጠዐ ከም ዝፈጠረሎም ይሕብሩ። 
  2. ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብርክት ዝበሉ ሓይልታት ሰራዊት ኣብ ከባቢ ከርከበት፡ ሂንቦል፡ ኣዶቦሓ፡ ይእኽቦም ምህላው ተገሊጹ። ዕላማ ናይዚ ተርእዮ’ዚ ክሳብ ሕጂ ንምንታይ ምዃኑ’ኳ ክፍለጥ  እንተዘይተካእለ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ጽቡቕ ዝምድናታት ኣለና ብዝብል እናገዓረ ከሎ፡ ኩሉ ግዜ ብቃጻ ኲናትን ወራርን ምክያድ ኣመሉ ስለ ዝኾነ ብወገን ሱዳን ገለ ዝሓስቦ ክፋእን ሸርሕታትን ከይህሉ ይግመት። 
  3. ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ብዝርከቡ ሓለፍቲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ግቦ፡ ስርቕን ምጥፍፋእን ካብቲ ዝነበሮ ብዝኸፍአ መልክዑ እናሳዕረረ ምምጽኡ ተገሊጹ። ብሰንኪ’ዚ ኣብ ላዕለዋይ ይኹን ታሕታዋይ ሓላፍነት ናይቲ ስርዓት ዝርከቡ ብብዝሒ ይእሰሩ ምህላዎም ድማ ተሓቢሩ። ብፍላይ ሃለኽቲ ኣቁሑት፡ ሽኮር፡ እኽሊ፡ ነዳዲ፡ መሳሊ ኣጠፋፊእኩም ዝተባህሉ ሓለፍቲ ናይቲ ስርዓት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ የካቲት 2014 ካብ ንኡስ ዞባታት ኣዲበራን ተመራትን ከምኡ’ውን ካብ ዓዲ ሓረት ሓምድን ጉልጅን ዝተወስዱ ኣብ ከተማ ተሰነይ ተኣሲሮም ብርቱዕ ምርመራታት ይካየደሎም ምህላዉ ተገሊጹ። 
  4. ዓሊ ኣልኣሚን ዝተባህለ ተወላዲ ብሄረ ናራ ኣብ ከባቢ ሞጎራይብን ባረንቱን ካብ ቅድሚ ነጻነት ጀሚሩ ከም ጸጥታን ኩትሻ እዝንን መርበብ ስለያ ህግደፍ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ፡ ወርቂ ዘሚቱ ተባሂሉ ኣብ ተሰነይ ቅድሚ ሸሞንተ ወርሒ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዝወረዶ ኣሰቓቒ መገርፍትን ከቢድ መጎዳእትን ክሳቐ ብድሕሪ ምጽንሑ ብ08 መጋቢት 2014 ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዩ፡ ቀረባ ቤተ-ሰቡ ሓቢሮም። ብተመሳሳሊ’ውን ሓላፊ ጸጥታ ንኡስ ዞባ ሞጎራይብ ዝነበረ ዓሊ ለሎ ዝተባህለ 12 ኪሎ ወርቂ ዘሚቱ ተባሂሉ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ምህላዉ ተገሊጹ። 
  5. ኣብ መዛዘሚ ወርሒ የካቲት 2014 ኣብ ሰሜን ሃይኮታ ፍሉይ ቦታ ሸካት፡ ኣብ ምብራቕ ባልቃይት ሃማ ዝተባህለ መዓስከራት ብዝተፈነወ መጥቓዕቲ ቦንባ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ዝርከቦም ሓሙሸተ ወተሃደራት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ከም ዝሞቱ ተሓቢሩ። ከምኡ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ፎርቶ ሳዋ ብ13 መጋቢት 2014 ብሓደ ዋርድያ ዝተካየደ ሃንደበታዊ ቶኩሲ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓደ ሓላፊ ዝርከቦም ትሸዓተ ከም ዝመቱ፡ 15 ድማ ብከቢድ ከም ዝቆሰሉ ተገሊጹ። እቲ ቶኩሲ ዝፈነወ ዋርድያ ነብሰ-ቅትለት ምፍጻሙ ተገሊጹ። ምክንያት ናይዚ ተርእዮ’ዚ ብስጭትን ዓቕሊ ጽበትን ዝወለዶ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት። ብገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንነዊሕ እዋን ካብ ስድራ ቤቶም ተፈልዮም ማሕበራዊ መነባብርኦም ክዘናበለ ዝተገደዱ ኣባላት ሰራዊት፡ ከምኡ’ውን ካብቲ ስርዓት ፍጹም ተስፋ ዝቆረጹ፡ ላዕለዎት ሓለፍትን ኣካላት መንግስትን ህግደፍ፡ ነብሰ ቅትለት ዝፍጽሙሉ ኩነታት እናገነነ ምምጽኡ ይፍለጥ። 
  6. ብ26 የካቲት 2014 ሜጀር ጀነራል ተኽለ ማንጆስ ምስ ሓደ ካብ ሓለፍቲ ተቓውምቲ ኢትዮጵያ  ሰለስተ ዋርድያ ኣሰንዩ፡ ብኮንትሮ-ባንድ ላንድ-ኮለዘር ጌይሩ ብኣውራጃ ከሰላ ኣቢሉ ንሱዳን ብድሕሪ ምእታዉ፡ ኣብ ዶብ ሱዳንን ግብጽን ዝርከብ ኣቡ-ሓምድ ናብ ዝተባህለ ፍሉይ ቦታ  በጺሑ ክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግብጺ ሒዙ ንኤርትራ ምምላሱ ተገሊጹ። 
  7. ኣብ ፍሉይ ወተሃደራዊ ስልጠና ኣትዮም ዝርከቡ ኣህዱታት ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ብግብጻውያን ሱዳናውያን ኤርትራውያን ትምህርቲ ይወስዱ ምህላዎም ብተቓወምቲ ሱዳን ዝፍለጡ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ታዕሊም ኣትዮም ከም ዘለዉ ተሓቢሩ። 
  8. ማሕሙድ ኣደም ዝተባህለ ተቐማጢ ንኡስ ዞባ ጉልጅ ብ14 መጋቢት 2014 ኣብቲ ከባቢ ክልተ ኢትዮጵያውያን ኢዮም ዝተባህሉ ሒዙ ንጸጥታ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብድሕሪ ምርካቡ፡ ኣብ ተሰነይ ብኮነረል ሓምደ ዝተባህለ ምርመራ ይካየደሎም ምህላዉ ተፈሊጡ። እቶም ዝተታሕዙ ክልተ ኢትዮጵያውያን ዝተባህሉ ንተቓወምቲ ንምጽናዕ ከም ዝመጹ ኣሚኖም ዝብል ወረ ብ09 ይናፈስ። ማሕሙድ ኣደም ብስለያ ከም ብልጫ 5,000 ናቕፋን ሓንቲ ሽጉጥን ተሸሊሙ፡ ኣብ ዓዱ ኮይኑ ናይቲ ስለያ ብምዃን ክሰርሕ ተመዚዙ ምህላዉ፡ ምንጭታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ የረጋግጹ።

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን
ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)
27 መጋቢት 2014

 

 

 

ኣዘዝቲ ሰራዊት ሕጂ ኸ ተራ መን ተረፈ?

ኣዘዝቲ ሰራዊት ሕጂ ኸ  ተራ መን ተረፈ?
                               
                                 ረድኢ መሓሪ /ኣለና/
                                   መጋቢት 26 – 2014

        እወ ሎሚ ኸ ተራ መን ተረፈ? ብድሕሪ ኣሰቃቒ ህልቂት ህጣራታት ደቂ ኤርትራ ኣብ ጎዳጉዲ ዒራዒሮ በዓል ማሕሙድ ሸሪፎን ጴጥሮስን፡ እወ ብድሕሪ ሃይለ ድሩዕን ዑቕበ ኣብራሃን! እወ ብድሕሪ ብርሃነ ገረዝግሄርን ጀርማኖ ናቲን፡ እህምም ብድሕሪ ሕመድ ሓምድን በራኺን፣ .. ወ.ዘ.ተ እታ ብደም ዝጠስጠሰት ሰባብ ገመድ ህግደፍ ስራሓ ኣይገደፈትን።

       ክሳብ ግንባር ጎልያድ ብእምኒ ዳዊት ዝጭደድ ድማ፡ ገመድ ዲያብሎስ መመሊሳ ብደም ደቀባት ክትስባሕ ኢያ። ከምቲ ቅዱስ ዳዊት ንኡስ ኣነ እም ኣሃውየ! ዝበሎ፣ ታሪኻዊ ግዴታ ስለዝኾነ፤ ግንባር ኢሳይያስ ብዘይተገመተት ወንጭፍ ደቀባት ተጨዲዳ ንዘለኣለም ክትጠፍእ ኢያ። ክሳብ ሽዑ ኸ ትም ድዩ ክኸውን?
         እሕሕ! ዘይተሰርነቐ ይኽእላ ኢዩ ሞ ዘይተሰርነቐ እንተሎ ሎሚ እሕሕሕሕ! ይበል።ኢሳይያስ ኤርትራውያን ደረጃ ብደረጃ እናኣጸመወ  ዘጽንት ጉዳመኛ ተኹላ ምድረ በዳ ኢዩ። ንሱ ከም ኣባ ጎብየ ኣብ ሰፈሩ ኣድብዩ ግዜ ዘጽንዕን ዝጽበን፤ ከም ነፋሒቶ መምስ መድርኹ ሕብርታቱ ዝቐያይር  ጥራይ ኢዩ እምበር ሕጂ እውን ብድሕሪ ውጩን እዞም መኮንናት እዚኦምን፡ ተር ከም ዓተር ካራ ዝሰሓለሎም ላዕለዎት መኮንናት ሰሪዑ ኣሎ።

        ብዘይ ምግናን እዞም ሰባት እዚኣቶም (ብ/ር ጀነራል ኣማኑኤል ሃንጀማ፡ ብ/ር ጀነራል ቫይናክ፡ ደሱ ተስፋጽዮን) መዓልቲ ይጽበየሎም ከም ዝነበረ ገምጋም ነይሩና ኢዩ። ኩላቶም ኣብ ስርዓት ህግደፍ ዕግበት ኣይነበሮምን። ኣብ ቡን ትረ-ስተላን እንዳ ቢልያርዶን ብዙሕ ግዜ፡ <ኣከያይዳና ጽቡቕ የለን> ይብሉ ነይሮም ኢዮም። እዞም ሰባት ደለይቲ ለውጢ ኢዮም ነይሮም። ግን ከመይ ጌርካ ለውጢ ትፈጥር? ከመይ ዝበለ ስጉምቲ ትወስድ ጥበብ ኣይፈጠሩን። ካብዚ ከምኦም የድሕነና! መብዛሕትኦም መኮንናት ህግደፍ፡ ኢሳይያስ ፍሽኽ እንተበሎም ናይ ወርሒ ከኒንኦም ኢያ፤ ተጸዊጉ እንተጠሚትዎም ድማ ንዓመት ሙሉእ ብሕማም ጭንቀት ዝድነሱ ሰባት ኢዮም። እዚ እቲ ኣብ ዘመነ ህግደፍ መጨሎት ዘይተረኽቦ ሕማም ብዙሓት ኤርትራውያን ኢዩ።

         ኦ ጀነራላት ህግደፍ! ካብ ሕማም ትምምም፤ ካብ ጽላሎት ኢሳይያስ መዓስ ኢኹም ትብየኑ? ካብ ኣሕሊፍካ ምውህሃብን ኣብ ደበንገረ ተስፋ ምንባርን መዓስ ኢኹም ትገላገሉ? መንካዕ፡ ሰለሞን ወልደማርያ፡ ሃይለ ጀብሃ፡ የሚን ወ.ዘ.ተ… ክቕንጸሉ እንከለዉ ትም ዝበሉ፡ ብ2001 ምጾታት ኣርኪባቶም። ንሶም ንዘስካሕክሕ ሞት ክናና ክፍረዱ እንከለዉ ከኣ ንስኻትኩም  ንስለ ስልጣንኩም ክትብሉ ትም መሪጽኩም። ሎሚ እዞም ብሕማምን ብሓደጋ መኪናን ሞይቶም ዝበሃሉ ዘለዉ ክድፈኑ እንከለዉ ከኣ ካልኦት ትም ኢልኩም ኣለኹም። እታ ኣብ ቀይሕ ሓመድ ጸጸራት ዝደኮነት መቓብር ሓርበኛታት ማዕበል ንብዓት ሓርገጽ ዝወሓዛ ቦታ ኢያ። ወዳጄ! ስነ-ስርዓት ቀብሪ ክጽብቕ! ኣቤት ዕንባባታትን ምንባብ ታሪኽ ሂወትን!!

       ጽባሕ ቢጊሓት እታ ጎዞሞ ናብ ክሳውዶም ምስ ቀንዐት ድማ ትም ክኸውን ኢዩ። እቲ ምንታይ ኢድ ጸናሒት ሸናሒት ከምኡ ስለዝኾነት! ኢሳይያስ ብሂወት ክሳብ ዘሎ፣ ንገለ ብሕማም፡ ንገለ ብሓደጋ መኪና… ንገለ ብምውዳቕ ንገለ እውን ካልእ ምህዞ እናኣለመ ስርሑ ክቕጽል ኢዩ።

        እወ ዓንደሚካኤል ካሕሳይ፣ ካብ ኣስካላ ሸተት ኢሉ ወዲቑ!  ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ብሃንደበታዊ ሕማም ስትሮክ ተሰዊኡ፡  መሓመድ ስዒድ ባረህ ብሃንደበታዊ ሕማም ! መሓመድ ሓጎስ ብጽድፊ ዓርበ-ረቡዕ! ኢሳይያስ ጸጋይ፡ ዓብደራሕማን ጃስር ካልኦትን እውን ከምኡ ብሃንደበት ተሰዊኦም ዝብል ጽውጽዋይ ሰሚዕና።
        ብድሕሪ ወልደንኪኤል ገብረማርያምን እዞም ግዚኦም ዝበሰለ ናይ ሎሚ ቅነ ሰብ ጽሕፍቶን እታ ሰባብ ገመድ መመሊሳ ክትቅጽል ኢያ። በዓል ኣመል ኣመሉ ኢእሓድግ፡ ዎ ደብር ዲብ ኣካኑ ከም ዝተባህለ ምስላ ብሄረ ትግረ፣ ኢሳይያስ ሕያይ እስክ ገብኣ፤ ካብታ ኤርትራን ኤርትራውያንን ናይ ምጽናት ሕብእቲ ተግባሩ ፍንትት ክብል ማለት ሕልሚ ኢዩ! እሞ እንታይ ደኣ ምግባር? ትም ኢልካ ከም ገንሸል ዓርቢ ስቕለት ንፋሲካ ክትሕረድ ምጽባይ ዶ ወይስ ነቲ ብደም ዝተጠመቐ ገበነኛ ከም በጊዕ ዒድ ኣዳሕያ ምግባሩ?

        ብድሕሪ  23 ዓመታት ኤርትራ ብኩሉ እንትንኣ ከመይ ትመስል ኣላ? ሎሚ ብድሕሪ ክልተ ደርዘን ዓመታት፣ ብቁጠባ ይኹም ብማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ብዲፕሎማሲ ይኹን ብፖለቲካዊ መልክዕ ንፈውሲ ማሕላ እዚኣ ኣላ ጽብቕቲ ኣብ ዘይበሃለሉ ደረጃ ዝወረደት ሃገር ደኣ እንታይ ኢዩ ቁንቁኝኣ ኢሉ ዝሓትት በዓል መዚ ዶ ተሳእነ? ስረ ጅግና ወዲ ዓሊ ዘልዕል፡ ኣብ ኣሰሩ ዝረግጽ፡ ካብ ኩሉ ግዜ ወኻርያ እንኮ መዓልቲ ኣንበሳ ኮይኑ ዝውፈ ዜጋ ዶ ሕርሚ ኮነ? ኣነ ዓሰብ ከይደ ኢደይ ይቕጥቀጥ፡ ንሳ ስና ትውቀጥ ከም ዝበሃል፤ ደጊም ኤርትራ ዘዝወለደቶም ኣእጋሮም ነናብ ዝመርሖም እናሃደሙን ኮላሊቶም እናተሸጠን ኣብ ዘለወሉ ገናድ ግዜ፤ ዳሳት ህግደፍ ከበሮን ደበላን ኢዩ መለለይኡ።

        ኮሎኔል፡ ጀነራል፡ ሜጀር፡ ካፕተን ዝተበሃልካ ደኣ ንምንታይ ድዩ? ጀነራል ደኣ ኣባጊዕ ወዲ ለገስ ሓሓሪድካ ሸያ ንምብላዕ፡ ብላክ ለበል ዊስኪ ንምስታይን ኣዋልድ ንምዕማጽን ጥራይ ድዩ ሽመቱ! እታ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍላ ሃገርን እቲ ጻማ ዝግበኦ ህዝባን ከ ኣይንታዩን ድዮም? ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ወግሐ ጸብሐ  ግንባር ናደው፡ ግንባር ውቃው፡ ስርሒት ፈንቅል፡  ግንባር ጊንዳዕ፤ ዓጀብ ቅያ! … መን ኢዩ ክሰምዖ? እቲ ኩሉ ፕሮፓጋንዳ ኤሪ-ቲቪ ናብ ኣየር ዝብተን ደበና እምበር ተቐቢሉ ናተይ ኢዩ ኢሉ ዝርዕሞን ዝወርሶን ወለዶ የለን። ስለዚ ትኽስ ያ ድሙስ መዘንግዕ ኣንጭዋ ከም ዝበሃል፣ እቲ ዓንገረር ኢሳይያስ ስርሑ ንምስላጥ ዝጥቀመሉ መዳህለሊ ጥራይ ኢዩ። ኣይፋልኩምን! ኩሉ ሞ ይጽናሕ! ሎሚ ስለ ክሳድኩምን ስለ ዕድል ደቅኹምን እትሓስብሉ ሰዓት ኢዩ። ደቅኹም ከምቶም ኣቦን ኣደን ስኢኖም ከም ዕባያት ኦርፋን ዝዘኽተሙ ደቂ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ ክትፈርድዎም እንተኾንኩም ድማ፡ እታ ምርጫ ኣብ ኢድኩም ኣሎ።

       ኢሳይያስ ኤርትራዊ ፈታዊ ዝበሃል የብሉን። ብዘይካ እቶም ብማግኔት ስሒቡ ናብ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ስልጣን ዘደየቦም ናይ ደም ኣሕዋቱ የማነታትን ክሻን፡ ካልእ ግዚያዊ እምበር ነባሪ  ፈታዊ የብሉን። ዋእ! ትማሊ ፈተውተይ ኢዮም ነይሮም፡ ብሓደ ጸጸር ውሒጥና ተመሓሒልና ኢና፤ ስለዚ ተነቒፍኩም ስራሕኩም ስርሑ ዝብል ሕልና እንተዝነብሮ፤ ነቶም ናብ ስልጣን ዘደየብዎ ጉጅለ 15፡ ነቶም በትረ ስልጣኑ ንምድልዳል ለይትን መዓልትን ዝሰርሑ ሙስጣፋ ኑር ሑሴንን ዓብደላ ጃብርን እውን ኣይነሓፎምን። ሰብ ካብ ካልኦት እንስሳታት ዝፈልዮ ኮ ሓንቲ ጉዳይ ጥራይ ኢያ ዘላ። ንሳ ከኣ ሕልና ኢያ፡ ኣብ ደም ኢሳይያስ ሕልና ቦታ የብላን። ኣብ ቅድሚ ስልጣኑ ዋዛ የለን፣ ከም ኮፕራ ኣቐዲምካ ምጥቃዕ ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝተሞከረሉ ስልቲ ኢዩ።

        እታ ኣብ ዘመን ጥልያን ዝተሃንጸትን ብመልክዓን ቅርጽታታን ካልኣይቲ ሮማ /ሰኬንዶ ሮማ/ ትበሃል ዝነበረት ከተማ ኣስመራ ኸ ሎሚ ከመይ ኮይና ትረኣየኩም ኣላ? እወ ሎሚ መን ትሓይሽ ካብ ኣስመራን ሃይኮታን? እወ ሕጂ ኣብ ዘመነ ገበል መን ትጽብቕ ካብ ኣስመራን ቶኾምብያን? ኣብዚ ኣይሂ ጸበባ ዝዘንበሉ ዘሎ ህሞት ኢሳይያስ ካብ ኣስመራን ጢዖን፡ ወይ ካብ ቲራቮሎን ዞባ ዓውዳ ባረንቱን ኣበየነይተን ምንባር ይምረጽ?

       ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝነበርኩምን ዘለኹምን መኮንናት ኢሳይያስ! እታ ከም መቕተሊ ኣናጹ በብመዓልቱ ንሰባት እትቕርም ዘላ መጻወድያ፡ ክሳብ ናብ ክሳድኩም እትመጽእ ትም ኢልኩም ክትጽበዩዋ ኣየምሕረልኩምን ኢዩ። ኢሳይያስ ንብጾቱ ዝጠለመን ዘጽነተን ምዃኑ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ ዜጋ የለን። ስለዚ ከምቲ“ጤልማይ መልሀዩ ረቢ ሸባዩ ዝበሃል፡ ረቢ ክሳብ ዝሰሃሎ ትም ኢልኩም ምጽባይ እንተመሪጽኩም፣ ኣዲዮ!! ኣምላኽ ክሳብ ዝጸባጸቦ ደኣ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ መሳጊዱን ኣብያተ-ክርስትያኑን ኮይኑ፤ ከምኡ እውን ዕሸላት ኣብ ማህጸናት ኣዴታቶም ኮይኖም እንድዮም ዝጽልዩ ዘለዉ! ኣይፋልኩምን ገለ መራግእቲ ደኣ ኣንጥቡ!

        ከምቲ ገረብ ብሓኽላ ዝበሃል፣  ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቅዳሕ መግዛእቲ ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራን ተግባራት ሃይለ ስላሴን ኢዩ ኣንቢቡን መሪጹን። ንዕላምኡ ብተግባርን በብግዚኡ ብቃለ-መሕትትን ነጊሩኩም ኢዩ። እነሆ ድማ ንኤርትራውያን ብኤርትራውያን እናኣቕተለ ኢዩ ክመጽእ ጸኒሑ። ደረጃ ብደረጃ ናብዚ ሎሚ ዘለናዮ ህሞት ምስ በጽሐ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝነበሮ እምነት ኣጸቢቑ ስለዝተጸንቀቐ፡ ንደምህት ኣብ ገዛእ መሬትና ገበርትን ሓደግትን ገይሩ ስርሑ ይቕጽል ኣሎ።

       ኣብ ሓዘንን ቀብሪን ውጩ ንኩሉ ከባቢታት ኣስመራ ዝቆጻጸርዎ ዝነበሩ ኣባላት ደምህት ምንባሮም ኣረጋጊጽና። ንሱ ብሞርስ ኮድ ዘይኮነስ ብጋህዲ ደጋጊሙ መንገዱ ይነግረና ኣሎ። ኢሳይያስ ኣብ ክልተ መድረኻት፡ ማለት ብቕድሚ መጋረጃን ብድሕሪ መጋረጃን ዝዋሳእ ጥበበኛ ደራሲ ኢዩ። እቲ ተዋስኦ ቅድሚ መድረኽ ንርእዮን ንዕዘቦን ኣለና። ካልእ ገና ብመዓልቱ ዝፍለጥ ድራማ እውን ክስዕብ ኢዩ። ኤርትራውያን ንምጽናትን በብቁሩብ ኤርትራ ንምልሓቕን ኣብ ከባቢናን ርሑቕን ዝዋስኡ በዓል መን ኢዮም ብመዓልቱ ክግለጽ ስለዝኾነ ብህድኣት ንጸበዮ።

        ጀነራላት ህግደፍ፡ እናነገረኩም ዘይትሰምዑ፡ እናረኣኹሞ ዝዓወርኩም ሓወልቲታት  ፎርዖን ኢኹም። ንሱ ብድሕሪ ምእሳር ጉጅለ 15 ኣብ ዓመተ 2002 ኣብ ባር ሻምሮክ ብኣረቂ ሜሎቲ ምስ ሸገገ፡ < ካብ ሎሚ ንደሓር ኣብዛ ሃገር ደው ኢሉ ዝሸይን ሰብኣይ የለን፡ እቶም ንኸውን ኢና ኢሎም ዝንየቱ ዝነበሩ ከኣ ናብ ጎዳጉዲ ኣእቲናዮም ኢና> ኢሉ ናይ ልቡ ነጊሩኩም ኢዩ። ዘይነገረ እንተዝኸውንሲ ምናልባት! ገ እናበሉኻ ዶ ትጋገ? እሞ ኣዚሩልኩም ዘሎ ፈውሲ ደኣ ኣየናይ ደብተራ ጎጃም ይፍትሓዮ? እቲ ሕጃብ ከ ኣየኖት መሻይኽ ክፈትሕዎ ኢኹም ትጽበዩ ዘለኹም?

            እዚ ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዘዘኽተመ፡ ንሃገርና ኤርትራ ከኣ ናብ ዑናታት ባቢሎን ቀይሩዋ ዘሎ ኢሳይያስ ኣብ መንገዱ ኢዩ ዘሎ። ኤርትራውያን ናይ ምዕጻድ ስራሓት ካብ ዝጅመር ክሳብ ሎሚ ክንደይ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ ኢልካ ምዝካር የድሊ ኣሎ። ብልክዕ ንምፍላጡ ድማ ዛዕጎልን ዕጣንን ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን።

        ኢሳይያስ ናብታ በዓል ኣብራሃም ተወልደ ዝመስረቱዋ ሰልፊ ናጽነት ኤርትራ /ደሓር ህዝባዊ ሓይልታት/ ካብ ዝጽንበር ክሳብ ለይቲ ሎሚ 44 ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ከምቲ ተፈጥሮ ንግሆ ጸሓይ ኣብሪቓ ንምሸቱ ትዓርብ፡ ዕሉም እውን ንዓላ ካብ ዝተጸንበረላ ዕለት ቅንጸላ ኣየቋረጸን። ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ምንቅስቓስ 73/76 ኢልና ንዛረብ ንኸውን፡ እንተኾነ እታ ሰባብ ትልሚ ዘርኢ ክርዳድ ናብቲ ዝመደበቶ ሸቶ ንምዕላብ ስራሓ ኣይሓደገትን። ደቀባት ኤርትራውያን ናይ ምጽናት መደብ ወትሩ ኣብ ከብዲ ኢሳይያስ ዝተጠንሰን ጸጸኒሑ ከም ማንታ ርእሲ ዝሕረስን ኮይኑ ኣሎ። እቲ ሰባት ናይ ምቕንጻል ጥበብ በብዓመቱን ሞዴላን ይፈላለ እኳ እንተኾነ፡ ዕላምኡ ግን ሓደ ኢዩ። 

        ስለዚ ብድሕሪ ቀብሪ እዞም ገዳይም ተጋደልቲ ተራ መን ተረፈ ኢልኩም መመሊስኩም ካብ ምሕማም፡ ግንባር  ጎልያድ ንምጭዳድ ሕጂ እምነ ዳዊት ኣራርዩ።

                                ባህጊ ኤርትራውያን ክኸውን ኢዩ!
                                     ሞት ክናና ንኢሳይያስ!!