ኣባ ዲዮስቆሮስ ኣካላውን ኣአምሮኣውን ስንክልና ኣጋጢምዎም፡ ብህጹጽ ናብ ኣስመራ ተመሊሶም

ኣባ ዲዮስቆሮስ ኣካላውን ኣአምሮኣውን ስንክልና ኣጋጢምዎም፡ ብህጹጽ ናብ ኣስመራ ተመሊሶም

ኣባ ዲዮስቆሮስ ብዝወረዶም ወቕዒ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስንክልና ኣጋጢምዎም ኣብ ካርቱም ክሕከሙ ድሕሪ ምጽናሕ ለውጢ ስለዘየርኣዩ ብህጹጽ ናብ ኣስመራ ተመሊሶም። ብፁዕ ኣቡን ዲዮስቆሮስ፥ ዝርኣይዎ ዝዛረቡ: ብግርህነቶም ዝልለዩ ሰብ እዮም። እንተኾነ ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘይብሎም ከም ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ፥ ኣባ ሉቃስ: ቀሺ ሃብቶም ርእሶም: ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይን ዝበሉ ሰባት ንግርህነት ናይዞም ሽማግለ ኣቦ መዝሚዞም ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ሓደጋን ተነጽሎን ኣውዲቖማ እዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ህልው ኩነት ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ካብ ኩነት ሃገርና ብዘይፍለ መልክዑ ኣብ ኣሰካፊ ህሞት ይርከብ።

ኣባ ዲዮስቆሮስ “ፓትርያርክ ብሕይወት እንከሎ ካልእ ፓትርያርክ ኣይሽየምን” ዝብል ቀኖና (ሕጊ) ቤተ ክርስቲያን ጥሒሶም ድሕሪ ምሻሞም፥ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ምሉእ ተነጽሎ ኣጋጢምዋ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ሎሚ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ወጻኢ ዘይሰርሕ ምስሉይ ፓትርያርክን ዘኽታም ሲኖዶስን ሒዛ ክትነብር ተፈሪዳ ዘላ።

ኣባ ዲዮስቆሮስ፡ ብዘይካ እቶም ናይ ፖለቲካ መሳርሒ ዝኾኑ ውሱናት ሰባት፥ ብኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ይኹን ብኣድማሳዊ ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያናትን ተነጽሎ ከጋጥሞም ጸኒሑ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝንቀሳቐስሉ’ውን ሓቂ ክትጠፍእ ዘይተዋሕጠሎም ገለ ሰባት ዓገብ ዝበሉ’ውን ኣይተሳእኑን። ነቲ ዝመጽእ ዝነበረ ተቓውሞታት ብማእሰርቲን ብምጭዋይን ከህድእዎ እኳ እንተ ፈተኑ ንምጥፍኡ ግን ኣይከኣሉን። ክሳራን መከራን ኣየውረዱን ግና ኣይበሃልን። ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ኣተዉ ዘይበሃሉ ካህናትን መነኮሳትን (ንኣብነት መናኒ ኣባ እማሃ) ሓቒቖም እዮም። እቲ ሕጊ ቤተ ክርስቲያንና ተረጊጹ ዝብል ተቓውሞ ግን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ስደት መመሊሱ እናተላብዐ ይመጽእ ኣሎ። እቶም ብድፍኢት መራሕቲ ፖለቲካ፥ ዘይሕጋዊ መዓርግ ፓትርያርክ ሒዞም ዝጸንሑ ኣባ ዲዮስቆሮስ ድማ ግዳይ ግርህነቶም ኮይኖም ንህይወቶም ኣብ ዘሻቕል ኩነት ኣትዮም ኣለዉ።

እዚ ሕጂ ንኣባ ዲዮስቆሮስ ወሪድዎም ዘሎ ከቢድ ሕማም፥ ብመርገም ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ እዩ እኳ እንተዘይተባህለ፥ ሓደ ዘመሓላልፎ ሓቂ ግና ኣሎ – ብሓደ ወገን ዕድመ ወዲ ሰብ ክንደይ ድሩት ምዃኑ በቲ ካልእ ድማ ብህይወት እንኰለኻ ንስሓ ከምዘድሊ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ።

እዚ ኩነታት እዚ ክምህሮም ዘይከኣለ ገለ ጳጳሳት፥ ብፍላይ ድማ እቶም ብምንባር-ኢድ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተቐብኡ ኣባ ሉቃስ፥ በዚ ኣብ ኣባ ዲዮስቆሮስ ዝወረደ ሽግር ዝተማህሩ ኣይመስሉን። እኳድኣ: ኣቡነ እንጦንዮስ ብህይወት እንከለዉ እታ ዝተባረኹላ መስቀል ብዓመጽ ንምምንዛዓ ለይትን መዓልትን ዘይተሓለለ ጻዕሪ የካይዱ ኣለዉ።

ኣባ ሉቃስ ነቶም “በስመ ኣብ” ኢሎም ዝቐብእዎም ቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ “መናፍቕ” ብምባል ስሞም ዘጸልሙ፥ ንመጽሓፍ ቅዱስ “መጽሓፍ ርኩስ” ብምባል ንቃል ኣምላኽ ዝጸረፉ እዮም። እዚ ማለት፡ ኣብ ቅሉዕ ቅርዓት ንዝፈጸምዎ ገበን ይቕሬታ ዘይሓተቱ ኣቡን እዮም። ሕጂውን ብኣባ ዲዮስቆሮስ ዝተፈጸመ ጸሊም ታሪኽ: ዳግማይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ክደግምዎ ብደገፍ ፖለቲከኛታት ናብ ሥልጣን ፓትርያርክ ዝመጣጠሩ ዘለዉ ሰብ እዮም። ኣምላኽ እንታይ ከምዘርእየና ግና ሓቢርና ንርእዮ።

ብወገንና ግን፥ ኣባ ዲዮስቆሮስ ዝጠሓስዎ ውግዘት ሥላሴ ንስሓን ይቕሬታን ረኺቦም ምስ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዕርቂ ፈጢሮም፥ ናብ ኣምላኾም ክዕረቑ ጸሎትናን ምንዮትናን እዩ።

ኣምላኽ ምሕረት ሂቡ ናይ ንስሓ ጊዜ ክህቦም ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ናይ ሱባኤ ጊዜ ጸሎትና ከይፍለዮም ድማ ንምሕጸን።

 

ምሕረትን በረኸትን እንረኽበሉ ጾም ይግበረልና፡ ኣሜን።

 

 

 

 


 

 

ሽግሮም ኣብ ውሽጦም ከይፈትሑ ናብ ኣዳባባይ ይመርጹ ክነብሑ!!

ሽግሮም ኣብ ውሽጦም ከይፈትሑ
ናብ ኣዳባባይ ይመርጹ ክነብሑ!!

ሽግሮም ኣብ ውሽጦም ከይፈትሑ
ናብ ኣዳባባይ ይመርጹ ክነብሑ
ነንሕዶም ሰፎም ከብልሑ
መፍቶ ጸላኢኦም የጉሉሑ፡

ኤረ እንታይዩ ጉዱ ዘይዕረ ጉርሒ
ደላይ ፍትሒዶስ ደላይ ሽርሒ
ኣንነት ተላዕጢጡ መቓልሖም ስብሒ
ህዝቢ ከይዓስሎም የርዕድዎ ፍርሒ፡

ኣንነትከ ኣበይዲዩ ክኽውንነይርዎ ኣመት
ብሃገር ደረጃዶ ተካውሖ ኢኻ ክሰፍን ምረት
ልክዕ’ዩ ዝሰርሓሉ ኣብ ማሕበራዊ ሂወት፡

ኣንነት ተጎዝጒዝካ ብናይ ውልቀ ሰብ ዝና
ሽግር ህዝብኻ ኣወንዚፍካ ትለሀ ኣብ ጎደና
ውድብካ ከተቐድም ብናይ ቲፈዞ ደመና
ብሰሪ ሕምቀትካ ኢስውድ ህግደፍ ደመኛና፡

ሽታ ሓድነት ባርዱ እንዳሸተተ 
ናበይኢኻ ከተላድስ ትደሊ ዘለኻ ወዳኢተ
ሕደግ’ባ ሕደግ ጓል መገዲ ኣይተቋምተ
ዝግደፍ ገዲፍካ ህዝብኻ ተትረድኦዶ ምመተ፡

ያኣክል በል ሎምስ ንፍርቂ ዘመን ኣይትሑን ጎተትተ
ጓሳ ኩኖ ተበጊሱ’ሎ ወለዶ ሎሚ ሓየተ
ህዝባዊ ማዕበል ተበጊሱ ዳሃለወ ንመኸተ
ፍሬ ዕንባቡኡ ይዕምብብ’ዩ ዘሎ ናይ ህዝቢ ኣንፈተ፡

ደላይ ፍትሒ ነናሓድሕዱ ተተኻባበረ
ጸላኢኡ ኣብ መንግኡ ከይኣቱ ሳዓረ
ስኒቱን ሓድነቱን ንስበቱ ኻኣ ኣትረረ፡

 

 

ዓወት ንውጹዕ ህዝብና
ብሓድነትና ነርዕዶ ጸላኢና
ብሕምቀትና ኢስውድ ጸላኢና

ካብ ጉዱስ ደላይ ፍትሒ
08032014