ቅሉዕን ምስጢራውን ዜናታት ደንበ ህግደፍ

ቅሉዕን ምስጢራውን ዜናታት ደንበ ህግደፍ

ምንጭታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

  1. ካብ ወርሒ የካቲት 2014 ንደሓር ዘሎ እዋን ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ዜጋታት ካብቲ ብ2013 ዝነበረ ብዕጽፊ እናወሰኸ ምምጽኡ፡ ኣብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት UNCHR የረጋግጹ። ኣብ ሰሙን ካብ 150 ክሳብ 200 ዝኾኑ፡ 86 ደቂ-ኣንስትዮን ዓበይቲ ዓድን ዘጠቓለለ ክኸውን ከሎ፡ 14 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ተረኸብቲ ሃገር ክኾኑ ዝኽእሉ መንእስያት ምዃኖም ይገልጹ። ብኢትዮጵያ’ውን ብተመሳሳሊ ናህሪ ስደት ካብቲ ዝነበሮ እናዛየደ ምምጽኡ ይሕበር። ኣብዚ ህሞት’ዚ ንዋሕዚ ስደት ክወስኽ ዘገደደ ምክንያት ከኣ፡ ገባቲ ኢሳይያስ ብ09 የካቲት 2014 ዘካየዶ ናይ ኣሽካዕላል ቃለ-መሕትት ምዃኑ ብርክት ዝበሉ ካብቶም ንስደት ዝውሕዙ ዘለው መንእስያት ይገልጹ። ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ምንጪ ኩሉ-መዳያዊ ጸገማት ኤርትራን ስደትን ኮይኑ፡ ህዝብን ሃገርን እናበተነ ከሎ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ሓለፍቲ ናይቲ መንግስቲ ብዘይተኣደነ ዶሎራት ኣብ ምስግጋር ደቂ-ሰባት ተዋፊሮም ከለዉ፡   ኢሳይያስ ብተደጋጋሚ ብጎረባብቲ ወይ ብሃገራት ምዕራብ ዝካየድ ዘሎ ሸርሕታት ኣምሲሉ ዝቕርቦ ፈተነታት ከንቱ ምዃኑ የረጋግጹ። ብካልእ መዳይ ድማ ንመንእስያት ብግለት፡ ሓተላ፡ ክልተ ጻሕሊ ዝለመዱ…………..ወዘተ ዝብል ናይ ጸለመ ኣስማትን ዘለፋታትን ክልጥፍ ብድሕሪ ምጽንሑ፡ ሕጂ’ውን ካብቲ ሕሉፍ ዘይእርኑብ ኣንደበቱ ፍጹም ከይተማህረ፡ እዚኣቶም ነቲ ብነጻ ዘምሃሮም ህዝብን መንግስትን ካሕሳ ከይከፍሉ ዝሃድሙ ዘለው ሰረቕቲ’ዮም፡ ሃልዮም ኣይሃልዮም ድማ ቅንጣብ ዝጎድል ነገርየለን ብምባል ዝሃቦ ዘይሓላፍነታዊ መግለጺ ብርቱዕ ቁጠዐ ከም ዝፈጠረሎም ይሕብሩ። 
  2. ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብርክት ዝበሉ ሓይልታት ሰራዊት ኣብ ከባቢ ከርከበት፡ ሂንቦል፡ ኣዶቦሓ፡ ይእኽቦም ምህላው ተገሊጹ። ዕላማ ናይዚ ተርእዮ’ዚ ክሳብ ሕጂ ንምንታይ ምዃኑ’ኳ ክፍለጥ  እንተዘይተካእለ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ጽቡቕ ዝምድናታት ኣለና ብዝብል እናገዓረ ከሎ፡ ኩሉ ግዜ ብቃጻ ኲናትን ወራርን ምክያድ ኣመሉ ስለ ዝኾነ ብወገን ሱዳን ገለ ዝሓስቦ ክፋእን ሸርሕታትን ከይህሉ ይግመት። 
  3. ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ብዝርከቡ ሓለፍቲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ግቦ፡ ስርቕን ምጥፍፋእን ካብቲ ዝነበሮ ብዝኸፍአ መልክዑ እናሳዕረረ ምምጽኡ ተገሊጹ። ብሰንኪ’ዚ ኣብ ላዕለዋይ ይኹን ታሕታዋይ ሓላፍነት ናይቲ ስርዓት ዝርከቡ ብብዝሒ ይእሰሩ ምህላዎም ድማ ተሓቢሩ። ብፍላይ ሃለኽቲ ኣቁሑት፡ ሽኮር፡ እኽሊ፡ ነዳዲ፡ መሳሊ ኣጠፋፊእኩም ዝተባህሉ ሓለፍቲ ናይቲ ስርዓት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ የካቲት 2014 ካብ ንኡስ ዞባታት ኣዲበራን ተመራትን ከምኡ’ውን ካብ ዓዲ ሓረት ሓምድን ጉልጅን ዝተወስዱ ኣብ ከተማ ተሰነይ ተኣሲሮም ብርቱዕ ምርመራታት ይካየደሎም ምህላዉ ተገሊጹ። 
  4. ዓሊ ኣልኣሚን ዝተባህለ ተወላዲ ብሄረ ናራ ኣብ ከባቢ ሞጎራይብን ባረንቱን ካብ ቅድሚ ነጻነት ጀሚሩ ከም ጸጥታን ኩትሻ እዝንን መርበብ ስለያ ህግደፍ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ፡ ወርቂ ዘሚቱ ተባሂሉ ኣብ ተሰነይ ቅድሚ ሸሞንተ ወርሒ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዝወረዶ ኣሰቓቒ መገርፍትን ከቢድ መጎዳእትን ክሳቐ ብድሕሪ ምጽንሑ ብ08 መጋቢት 2014 ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዩ፡ ቀረባ ቤተ-ሰቡ ሓቢሮም። ብተመሳሳሊ’ውን ሓላፊ ጸጥታ ንኡስ ዞባ ሞጎራይብ ዝነበረ ዓሊ ለሎ ዝተባህለ 12 ኪሎ ወርቂ ዘሚቱ ተባሂሉ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ምህላዉ ተገሊጹ። 
  5. ኣብ መዛዘሚ ወርሒ የካቲት 2014 ኣብ ሰሜን ሃይኮታ ፍሉይ ቦታ ሸካት፡ ኣብ ምብራቕ ባልቃይት ሃማ ዝተባህለ መዓስከራት ብዝተፈነወ መጥቓዕቲ ቦንባ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ዝርከቦም ሓሙሸተ ወተሃደራት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ከም ዝሞቱ ተሓቢሩ። ከምኡ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ፎርቶ ሳዋ ብ13 መጋቢት 2014 ብሓደ ዋርድያ ዝተካየደ ሃንደበታዊ ቶኩሲ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓደ ሓላፊ ዝርከቦም ትሸዓተ ከም ዝመቱ፡ 15 ድማ ብከቢድ ከም ዝቆሰሉ ተገሊጹ። እቲ ቶኩሲ ዝፈነወ ዋርድያ ነብሰ-ቅትለት ምፍጻሙ ተገሊጹ። ምክንያት ናይዚ ተርእዮ’ዚ ብስጭትን ዓቕሊ ጽበትን ዝወለዶ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት። ብገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንነዊሕ እዋን ካብ ስድራ ቤቶም ተፈልዮም ማሕበራዊ መነባብርኦም ክዘናበለ ዝተገደዱ ኣባላት ሰራዊት፡ ከምኡ’ውን ካብቲ ስርዓት ፍጹም ተስፋ ዝቆረጹ፡ ላዕለዎት ሓለፍትን ኣካላት መንግስትን ህግደፍ፡ ነብሰ ቅትለት ዝፍጽሙሉ ኩነታት እናገነነ ምምጽኡ ይፍለጥ። 
  6. ብ26 የካቲት 2014 ሜጀር ጀነራል ተኽለ ማንጆስ ምስ ሓደ ካብ ሓለፍቲ ተቓውምቲ ኢትዮጵያ  ሰለስተ ዋርድያ ኣሰንዩ፡ ብኮንትሮ-ባንድ ላንድ-ኮለዘር ጌይሩ ብኣውራጃ ከሰላ ኣቢሉ ንሱዳን ብድሕሪ ምእታዉ፡ ኣብ ዶብ ሱዳንን ግብጽን ዝርከብ ኣቡ-ሓምድ ናብ ዝተባህለ ፍሉይ ቦታ  በጺሑ ክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግብጺ ሒዙ ንኤርትራ ምምላሱ ተገሊጹ። 
  7. ኣብ ፍሉይ ወተሃደራዊ ስልጠና ኣትዮም ዝርከቡ ኣህዱታት ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ብግብጻውያን ሱዳናውያን ኤርትራውያን ትምህርቲ ይወስዱ ምህላዎም ብተቓወምቲ ሱዳን ዝፍለጡ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ታዕሊም ኣትዮም ከም ዘለዉ ተሓቢሩ። 
  8. ማሕሙድ ኣደም ዝተባህለ ተቐማጢ ንኡስ ዞባ ጉልጅ ብ14 መጋቢት 2014 ኣብቲ ከባቢ ክልተ ኢትዮጵያውያን ኢዮም ዝተባህሉ ሒዙ ንጸጥታ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብድሕሪ ምርካቡ፡ ኣብ ተሰነይ ብኮነረል ሓምደ ዝተባህለ ምርመራ ይካየደሎም ምህላዉ ተፈሊጡ። እቶም ዝተታሕዙ ክልተ ኢትዮጵያውያን ዝተባህሉ ንተቓወምቲ ንምጽናዕ ከም ዝመጹ ኣሚኖም ዝብል ወረ ብ09 ይናፈስ። ማሕሙድ ኣደም ብስለያ ከም ብልጫ 5,000 ናቕፋን ሓንቲ ሽጉጥን ተሸሊሙ፡ ኣብ ዓዱ ኮይኑ ናይቲ ስለያ ብምዃን ክሰርሕ ተመዚዙ ምህላዉ፡ ምንጭታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ የረጋግጹ።

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን
ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)
27 መጋቢት 2014

 

 

 

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.