ስዉእ ተዛሪቡ

ስዉእ ተዛሪቡ

 

 

 

ሓውኻ ኣብ ሳንዱቕ ሬሳ ኢዩ ዘሎ!

ሓውኻ ኣብ ሳንዱቕ ሬሳ ኢዩ ዘሎ!
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/

ከምቲ 4 ጳጳሳት መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ‘ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ኢሎም ዝጠቐስዎ እዋናዊ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፣ ንሎሚ ኣብ 20 ሰነ ኴንና ስለ ሕድሪ፡ ስለ ኤርትራዊ ስነ-ምግባር፡ ኣንታ ኤርትራዊ ሓውኻ ኣብ ሬሳ ሳንዱቕ ከም ስጋ ሳርዲን ተዓሺጉ እንከሎስ፡ ፈስቲቫል ቦሎኛ ተኣዊጁ። ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ኤርትራውያን ኮይኑ እንተሳዕስዐ፣ የምሕረሉ ኢዩ። ንጣብ ኤርትራዊት ደም ስለዘይብሉ ከኣ፡ ዝሞተ እንተሞተ ዕጅብ ኢሉዎ ኣይፈልጥን ኢዩ። እሞ ኣንታ ሰብ! ገ እናበሉኻ ኣይትጋገ! ከመይ ጌርካ ኢኻ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ከተኹድድ?

ዓገብ! ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ዝብል ገዚፍ ትርጉም ዘለዎ ኣምር ናብ ደምና ክተሓዋወስ ይግባእ። ‘ሰብ ብያታ እኽሊ ብገበታ’ ከም ዝበሃል፣ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ካብ ጥንቲ ካብ ጥቅምቲ ሓርበኛ ያታ ዝነበሮ፡ ኣብቲ ፈታኒ ወቕቲ፣ ሂወት ከም ዋጋ ናጽነት ሞባእ ዝኽፈለሉ ዝነበረ ግዜ እውን ብዛዕባ ሓዉን ሓፍቱን ኣገማጢሉ ዝሓትትን ዝግደስን ህዝቢ ኢዩ ዝነበረ። ታሪኽ ንምስክር ኤርትራውያን እንተዝሕተት፤ ጅግንነትን መስዋእቲን ከምኡ እውን ጽፉፍ ስነ-ምግባርን ፈሪሃ እግዚኣብሄርን ሕላገትና ምዃኑ ብትኽክል ምመስከረ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ 23 ናይ ናጽነት ዓመታት ነቲ ኣብ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲን ድሒሩ ዘጋጠመን ረዚን መስዋእቲ ደቁ እናዘከረ ኢዩ ክመጽእ ጸኒሑ።

ዝኽሪ ጀጋኑ ምስ ንብዓቱን ኣብ ጥሙይ ከብዱን! እቲ ቀዳሞት ደቁ ስለ ባህጊ ሙሉእ ህዝቢ ንመስዋእቲ ዘወፈየ ጅግና ህዝቢ ኤርትራ፤ ሞት ካብ ጎረቤቱ ኣይለቅቕን ስለዝበለቶ ኣብቲ ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝወልዖ ዓርሞ ኲናት ባድመ’ውን ዓሰርተታት ኣሽሓት በራውር መንእሰያት ደቁ ንክኸፍል ተገዲዱን ገና’ውን ኣብ ምድረ-በዳ ሲናይን ኣብ ባሕሪታትን ይሃልቕ ኣሎ። ላምፐዱሳ ባዕላ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ ትመስክር! ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ መልኣከ-ሞት ምስ ኤርትራውያን ነጸላ መንደቕ ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ ህሞት፣ ኣንታ ኤርትራዊ ሰብ! ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ከመይ ዝኣመሰለ ደም ዲኻ ቀይርካ? እሞ ሓውኻ’ኸ ኣበይ ኣሎ?

ብሰንኪ እታ ኣብ ወርሒ ግንቦት 1998 ዓ.ም. ብመደብ ዝተሸርጠጠት ሓደገኛ ክርቢት ከኣ፡ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ደገን ናብ ኣዝዩ ዘንቆልቆለ ቁጠባዊ ሰልሚ ተሸሚሙ ይርከብ ኣሎ። በሰላ ኲናት ባድመ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን፡ ከም መለለዪ ብሮት ድኽነትን ጥፍሽናን፡ ከም ሽቑረራ መንነትን ስክፍታ ኣነባብራን ፈጢሩ ኣሎ። ኣንታ ኤርትራዊ፡ ሓውኻ ሓመድ ኣዳም ተነፊጉዎ ኣብ ሳንዱቕ ተቐሚጡ ኣሎ! ሓውኻ እስከ ኣበይ ኣሎ?

ቀዳማይ ዝተደርመመ ኣርእስ ኤርትራውያን ኣዴታትካ ከይተፈትሐ፡ ንሳተን ናብ ዓዲ እዝግሄር ከይደን ኢየን። ካልኣይ ሳልሳይ…ራብዓይ መርድእ ኣብ ቅርዓት ገዛውትና ኮይኑ ደበለ። ናይ ሓዘን ዳሳት ገና መመሊሱ ይትከል ኣሎ። ኣብዘን ዝሓለፋ 16 ዓመታት (1998-2014) ዝጠፍአ መንእሰይን ገና’ውን ዝጠፍእ ዘሎን ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ‘ንምራኽ እኖኣ ሓቲትካ ተዋገያ’ ከም ዝበሃል፤ እቶም ንታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ረሲዖም ንጥፍኣቱ ካሪክለም ክሕንጽጹ ዝሓድሩ ተዃሉ፤ ኢሳይያስን ደቀ-መዛሙርቱን፡ ዝግ ኢሎም ክሓስቡ’ሞ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ዝሓለፈ ጽላት ታሪኹ ንዝነበረ ጽሑፍ ንከንብቡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ነዘኻኽሮም። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ከንቱ ሓዘን ሓዚኑ ዝተርፍ ዘይኮነስ፤ ርሑቕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ፤ እጹብ ድንቂ ብዝኾነ ነጎዳ ደበሳ ኢዮብ ክድበስ ኢዩ። ግን…! ሓውኻ ኣበይ ኣሎ ኢልና ምስ ነፍስና ንተዓረቕ’ሞ ስለ ሕድሪ ሰማእታትና ሎሚ እምቢ ሳዕስዒት ኣብ ልዕሊ ሬሳታተይ በል።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዘመን ዝክረ-ሰማእታት ካብቲ ን23 ዓመታት ኣብ ዓመት-ዓመት ዝቐርብ ዝነበረ ሓፈሻዊ መግለጺ፤ ፍልይ ብዝበለ መልክዕ ብዛዕባ ረዚን ሓላፍነት ሃገርን ጉዕዞ ኣናብስ ደቂ ኤርትራ ኣብ ሜዳን፣ ብድሕሪ ናጽነት፡ ገና’ውን ክሳብ ሎሚ ንዘሎ ህልቂት ዝምልከት ጃምላዊን ታሪኽ ውልቀ-መስዋእቲን እንተዝዝንቶ ምመረጽና። ከመይሲ፡ እዋኑ ንዝኽሪ ዝዕድም ተሃዋሲ ግዜ ስለዝኾነ። ኣበይ ኣሎ ስዉእ? ኣበይ ኣላ ስውእቲ? ኣበይ ኣለዉ እሱራት? ኣበይ ኣላ ኣደ ስዉእ? እታ ብሕሰም ዝማደየት ኤርትራዊት ኣደ’ኸ ተደቢሳ’ዶ? እሞ ኣንታ ኤርትራዊ ሰብ፡ ንመልሓስካ ክሓዶ’ሞ ብናይ ሕልናኻ ቤት ፍርዲ ፍረድ።

ሞት ንቡር’ዩ። ኣብ ዓለም ሂወት ዘለዎ ፍጡር ይውለድን ይመውትን ኢዩ። ብኣንጻር እቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝገብሮ ምትኽኻእን ዳግም ምፍላስ ሂወትን ግን ሞት የለን ክንብል ንኽእል። ስለ ህዝቢ፣ ስለ ሃገርን ክብረትን ዝኽፈል ሞት ከኣ መስዋእቲ ኢልናዮ። እምበኣር ንሕና ኤርትራውያን ናጽነትናን ሓርነትናን ንምርካብ ክቡር መስዋእቲ ከፊልና ኢና’ሞ ጅግንነት መለለዪ ሕላገትና ኢዩ እንተበልና ካብ ሓቂ ዝወጸ ኣበሃህላ ኣይኮነን። ግን እቲ ሞት ከመይ ገይሩ ኢዩ ተዓራሪኹና? መን ኢዩ’ኸ ንኤርትራዊ ምስ ሞት ኣላፊኑዎ? ስለዚ ኣሓስ ምስ ሓራዲአን ማይ ይሰትያ ከም ዝበሃል፡ ምስቶም ሓረድትኹም ኮንኩም ደም ኣሕዋትኩም ኣይትስተዩ። ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?

ታሪኽ’ውን ከም ምሩጽ ውላድ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እንተተሰጋጊሩ፣ ኣይሞተን ንብል። ከም ናትና ዝኣመሰለ ኣብ ብራና ምሩጻት ዜጋታትና ብክቡር ደም ዝተጻሕፈ ከቢድ ታሪኽ እንተዘይተሰኒዱን ናብ ወለዶታት እንተዘይተሰጋጊሩን ግን ሓደ ሞት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ዓሰርተ ሞት ኢዩ። ስለዚ ታሪኽና ቅርስናን መለለይናን ስለዝኾነ፣ ንዘለኣለም ከይመውት እንታይ ንግበር? ኩላትና ደቂ’ዛ ሓላል መሬት ኣበይ ኣሎ ሓውኻ ንበል!

እዛ ሎሚ እነስተማቕራ ዘለና ናጽነት ዋግኣ ቅርሽን ሽልንን ኣይኮነን። እዚ ከቢድ ዕዳ እዚ ኣብ እንግድዓ ነፍስ-ወከፍና ኣሎ። ኣብ እዋን ጥምጥም ንናጽነት ኤርትራ ዝነበረ ቅያ ተመሊስካ ኣብ እትዝክረሉ እዋን፤ ሓደ ሓደ ግዜስ ንምእማኑ’ውን የጸግም ኢዩ። ገለ ስድራ-ቤታት ምስ ሙሉኣት ደቃ ናብ ቃልሲ ተሰሊፋ ነይራ ኢያ። ‘ካብ ብሱል ጥረ’ ከም ዝበሃል ከኣ፤ ጥረ ዘይረኸበት፡ ድርብ ጥራይ ዘይኮነስ ድርብርብ ሞባእ ከፊላ፤ ፈጺማ ናብ ገዝኣ ዘይተመልሰት ስድራ’ውን ነይራ ኢያ እንተተባህለ ኣይተጋነነን።

ስለዚ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣንቱም /ኣንትን/ ምስዚ ኣማስይኡ ሰባት ኣጥፊኡ ዝጠፍእ ስርዓት ኣብ ቦሎኛ ንምኹዳ ትቀራረቡ ዘለኹም ኤርትራውያን፤ ጽባሕ ንግሆ ካልእ ጸሓይ ክትበርቕ ኢያ’ሞ ወይልኹም! እዚ መሰክሕ መቕዘፍቲን ጉዕዞ ንመቓብር ዜጋታትን ንከብቅዕ፣ እታ ረዚን ዋጋ ዝተኸፍላ ናጽነት፤ ሓርነት ክትወልድን ብቅዋማዊ መንግስቲ ክትጽንበልን ሕጂ ሱባኤ ንእቶ።

ነውሪ ሳዕሳዒት ኣብ ልዕሊ ሬሳታት!
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!!