ኣያታትና ዝሓቅሉ ስፍራ ዒራዒሮ፤ ትሕቲ ዕድመ ህጻውንትና ዝማስንሉ ስፍራ “ቀይሕ ኮኮን”

ኣያታትና ዝሓቅሉ ስፍራ ዒራዒሮ፤ ትሕቲ ዕድመ ህጻውንትና ዝማስንሉ ስፍራ “ቀይሕ ኮኮን”

ብብርሃን ተስፋ

ዒራዒሮን ቀይሕ ኮኮንን፡፡ እታ ሓንቲ ኣብ ከባቢ ፍልፍል ሰሎሙና እታ ካልአይቲ ኣብ ካባቢ ናቕፋ፡ ክልቲአን ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ኣብያተ ማእሰርቲ ’የን፡፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ክልቲአን መቐፈዲ ወለድን ህጻውንትን ዜጋታት ዝኾና መዓስከራት ኣብ ትሕቲ ናይ ቀረባን ርሑቕን ሓለዋ ክ/ሰ 61 ዝመጸውዒዖም ኣሃዱ ዕቑር ሰራዊት ይርከባ፡፡

ካብ መወዳእታ 2010 ክሳብ መፋርቕ 2011 መዕረፊ ነቑጣ ሃንደሳ ምክልኻል ዝነበረ ኢዩ፡፡ ኣብ ወርሒ ሰነ 2011 ‘ኣዱሊስ’ ዝተሰየመ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ ‘ቀይሕ ኮኮን’ ዝጽዋዕ ዘሎ፡፡ ንሸነኽ ጸጋም ታቤላ “እንቋዕ ደሓን መጻእኩም!” ናቕፋ ምስትእለ ዝጎንፈካ 500 ብ300 ዝምግፍሑ ብትሪኳላታ ዝተኸለለን ብውሽጥን ብደገን 35 ዝኾኑ ዕጡቋት ክ/ሰ 61 ዝሕልውዎ ቦታ መቐፈዲ ትሕቲ ዕድመ ዜጋታትና’ዩ፡፡

ከምቲ ስርዓት ህግደፍ ከምስሎ ዝፍትን ‘ቀይሕ ኮኮን’ ኣሕዳሪ ቤ/ትምህርቲ ኣይኮነን፡፡ ከምኡ እንተዝኾውን’ሞ እቶም ሓላፍነት ድሕነት ቆልዑን ምምሃርን ምስትምሃርን መዝታት ዝተውሃቦም ኣካላት መንግስቲ ሚኒስትሪታት ዒዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ሚኒስትሪ ትምህርትን ኣብ ምክያዱ መሪሕ ተራ ምተጻወቱ ነይሮም፡፡ ኣብ ክንድኡ ‘ቀይሕ ኮኮን’ ምሉእ ብምሉእ በሰሜናዊ እዚ ምክልኻል ይካየድ፡፡ ኣተሓሕዛ ኣብቲ መዓስከር ዘለው ቆልዑ እውን (ከምቲ ኣብ ታሕቲ ቀጺሉ ዝርከብ ዝርዘር) መሰላትን ድሕነትን ቆልዑ ዘየውሕስ ጥራይ ዘይኮነስ ንህላውነቶም ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ኩነት ኢዩ፡፡

‘ቀይሕ ኮኮን’ ቁጽሪ ዝስደዱ ዓጃቢ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኤርትራ ክዝቕብብ ምስጀመረ ዝተሃንደሰ ስፍራ ጭካነ ኢዩ፡፡ ዶብ ክሰግሩ ዝተተሓዙ ቆልዑት ጥራይ ግና ኣይኮነን ዘሳቒ፡ ዝኣልዮም ስለዝሰኣኑ ሂወቶም ክጥውሩ ዝፍትኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ምንጪ ኣታዊ ዝኾኑ ንጥፈታት (ስራሕ ኣይታንቲ፡ ምሽቃጥ ማስቲካ፡ ፉል፡ ካልእ ቀንጠመንጥን) ዝሳተፉ ቆልዑ ተናበይቲ ጎደናን ግዳም ሓደራትን እንኮላይ’ምበር፡፡ ግዳያት ቤት ማእሰርቲ ትሕቲ ዕድመ ናቕፋ ካብቶም ዝነኣሱ ደቂ 7 ዓመት ክሳብቶም ዝዓበዩ ደቂ 17 ዓመት ኢዮም፡፡

ኣዋሃሃዲ ቤት ማእሰርቲ ‘ቀይሕ ኮኮን’ ሓምድ ማንጁስ ነባሪ ከረን ክኾውን ከሎ፡ ተሓጋጋዚኡ ድማ ዑስማን ባርካይ ተቐማጢ ናቕፋ ኢዩ፡፡ ኣብ ቀረባ ንሱዳን ዝሃደመ (ብዙሕ ግፍዕታት ከምዝፈጸመ ዝዝረበሉ) ወልደዝጊ ወዲ ዓዲ ተከሌዛን ከኣ ከም ሓላፊ ምሕደራ ጸኒሑ፡፡

ናብ ቀጽሪ ‘ቀይሕ ኮኮን’ እትው ምስበልካ ፈለማ እትረኽቦ ክፍልታት ከም ቤት ጽሕፈት ምምሕዳርን መንበሪ ሓለፍቲ እቲ መዓስከርን ኮይኑ ዘገልግል ገዛውቲ ኢዩ፡፡ ነዚ ምስዝሓለፍካ እንዳ 53፡ እንዳ 61 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ካብ ዞባ ደቡብ ተገፊፎም ኣብ መዕለሚ ክ/ሰ 53 (ገርገራ) ድሕሪ ምእታዎም ዝመጹን ካብ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዓንሰባን ጋሽባርካን ተተኣርዮም ብመዐለሚ እንዳ 61 (ናቕፋ) ዝሓልፉን ዘለውዎ ሃንገር ትረክብ፡፡ በዝሖም 140 ኮይኑ ካብ ደቂ 15 ክሳብ ደቂ 17 ዝኾኑ ኢዮም፡፡

ንውሽጢ ምስዝቐጸልካ ዝገጥመካ ሃንገር ደቂ ኣንስትዮ ዘለውኦ ብእንዳ ኣዋልድ ዝጽዋዕ ኢዩ፡፡ ኣስታት 100 ትሕቲ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ ሒዙ ከኣ ይርከብ፡፡ ኩነታተን ዝያዳ ዘሕዝን ዝገብሮ፡ ኣገልግሎተን ናይ ጾታዊ ርክብ ገረዳትን ምኻነን ኢዩ፡፡ ምኽሻን፡ ሕጽቦ፡ ምጽራይ መሕደርን ቤት ጽሕፈት ሓለፍትን ኣባላትን እቲ መዓስከር ናይ ወትሩ ዕማመን ኢዩ፡፡ ብፍላይ ናርዋ (ጓል ቀምጭዋ)፤ ሰምሃር (ጓል ተሰነይ)፡ ሳምያ (ጓል ጎልጅ)፡ ኑራን ወይንን ብነጻ ነቶም ሰለስተ ሓለፍቲ እቲ መዓስከር ዝኽድማ ኢየን፡፡

ድፍረት ሓለፍትን ኣባላትን ‘ቀይሕ ኮኮን’ ኣዚዩ’ዩ ዘሕንኽ፡፡ ከይሓፈሩን ብዓውታን ብዛዕባ ዝተጋሰሱወን ግዳያቶም ይዛረቡ፡፡ ንዝመረጽወን ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድ ቀትሪ እንተኾይኑ ናብ ቤት ጽሕፈቶም ወይ እውን መደቀሲኦም ብምጽዋዕ፡ እንተመስዩ ከኣ ክውል ዝበለ ኩርንዓት ንመሳኪን ቆልዑ ይጋሰሱን ይብድሉን፡፡ ዝብደላ ኣዋልድ ንጠለባት ሓለፍተን ኮነ ኣባላት እቲ መዓስከር ክነጽጋ ኣይክእላን ኢየን፡፡ ምኽንያቱ ዝሓተትወን እንተዘይፈጺመን ኣተሓሕዛ የጽንዑለን ንዝገብርኦ ናእሽቱ ጌጋታት ብምግናን ኣካቢዶም ይቐጽዕወን ብዘይካ ባህጎም ምምላእ ካልእ ኣማራጺ የብለንን፡፡ እንተኣእወያ’ከ መን ሰማዒ ኣለወን?

14 ዝዕድሚኣ ጓል ኣስመራ ዝኾነት መርሃዊት፡ 16 ዝዕድሚኣ ስድርኣ ጎልጅ ዝምቕማጦም ሰምሃር፡ 14 ዝዕድሚኣ ጋል ኣስመራ ዊንታ፡ 15 ዝዕድሚኣ ኣብ ተኺሎ ከባቢ ማይዓይኒ ዝዓዳ ኣልማዝ፡ ጓል 15 ዓመት ኣስመራ ዝምቕማጣ ሰምሃር፡ ጓል ጎልጅ ዝኾነት 16 ዝዕድሚኣ ዊንታ፡ 17 ዝዕድሚኣ ጓል ጾሮና መርሃዊት፡ 14 ዝዕድሚኣ ነጃት ተቐማጢት ኣስመራ፡ 17 ዝገበረት ኬርያ ጓል ተሰነይ፡ 17 ዝዕድሚኣ ተሰነይ ዝምቕማጣ መርሃዊት…ገለ ካብተን ብዘይድልየተነትን ትሕት ዕድሚአን ብዘይድልየተን ጾታዊ ርክብ ክገብራ ዝተገደዳ ግዳያት ኢየን፡፡

ድሕሪ እንዳ ኣዋልድ ዝርከብ ሃንገር ‘ፊደል ፐ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነኣሱ ኡሱራት ዘለውዎ ኢዩ፡፡ ኣብዚ ዝርከቡ ቆልዑ ካብ ደቂ 7 ዓመት ክሳብ ደቂ 12 ዓመት ኮይኖም በዝሖም 120 ኣቢሉ ይኾን፡፡

ዓራርብ ቀጺሉ ዝጎንፈካ ሃንገር ኮይኑ ካብ 13 ክሳብ 17 ዝዕድሚኦም 130 ዝኾኑ ኡሱራት ህጻውንቲ ዝሓዘ ኢዩ፡፡
ነዚ ብዝሓለፍካ እንዳሚኒስትሪ ተባሂሉ ዝፍለጥ ከም መማህራን ኮይኖም ዘገልግሉ መናእሰያት ዝቕመጥሉ ገዛውቲ ትረክብ፡፡ እዞም መናእሰያት ዶብ ክሰግሩ ዝተታሓዙ ኮይኖም ብቁጽሪ 21 ይበጽሑ፡፡ ካብዚኣቶም 4 ደቂኣንስትዮ ኢየን፡፡

ኣብ መወዳእታ እትረኽቦ ሃንገር ድማ ‘ደንደን ሰውራ’ ዝብልዎ ኮይኑ ኣስታት 130 ቆልዑት ዝሓዘ ኢዩ፡፡ ካብ 14 ክሳብ 16 ዝዕድሚኦም ከኣ ኢዮም፡፡

ጠቕላላ ካብ 640- 700 ዝበጽሑ ካብዚኦም 100 ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብዎም ትሕቲ ዕድመ ህጻውንትን በዝሖም 21 ዝኾኑ ልዕሊ ዕድመ ብገበን ስግረ ዶብ ዝተቐየዱ መማህራኖም ዝበሃሉ እሱራት ዜጋታትን ዘለውዎ ኢዩ፡፡

ኣከፋፍላ ወይ ኣሰፋፍራ ኡሱራት ቀይሕ ኮኮን ኣብ ኣመጻጽእኦም ዕድሚኦምን ጾታን ይምርኮስ፡፡ ንዝሰፍርሉ ቦታታት ዝተውሃቦ ስያመታት ዝምልከት ከኣ ካብ ታባታት ናቕፋን ዝገፈፍኦም ኣሃዱታትን ዝተወስደ ኢዩ፡፡

ኣብ ‘ቀይሕ ኮኮን’ ስማዊ ትምህርቲ ንህጻውንቲ በቶም ኡሱራት ዓበይቲ መናእሰያት ይወሃብ እኳ እንተኾነ ኣድማዕነት የብሉን፡፡ እዚ ዝወሃብ ትምህርቲ ንናይ ሚዲያ ሃልኪ ወይ ረኣዩለይ ኢልካ ዝወሃብ እዩ፡፡ ተምሃሮ ኣብ ክንዲ በቢደረጅኦም ተሓዋዊሶም ይመሃሩ፡፡ 1ይን 2ይን ክፍሊ ብሓባር፡ 3ይን 4ይን ክፍሊ ብሓባር ኣብ ሓደ ክላስ ተሓዋዊሶም ይመሃሩ፡፡ መምህር ናይ ቀዳማይ ክፍሊ ከምህር ይጸንሕ’ሞ መሊሱ ናይ ካልኣይ ትምህርቲ ይምህር፡፡ ናይ ካልኣይ ክፍሊ ክምህር እንተጸኒሑ ናብ ናይ ራብዓይ ክፍሊ ምምሃር ይቕጽል….ዋላ’ኳ ‘11 ክፍሊ እንተወዲእኩም ናይ ማትሪክ ምስታፍ ዕድል ክወሃበኩም ኢዩ’ ዝብል መብጽዓ ንቕዩዳት ይኣተውሎም እምበር፡ ን11 ክፍሊ ወዲኦም ዝተብሃሉ ኣብ ክንዲ ናይ ማትሪክ ምስታፍ ዕድል ኣባል ሓለዋ ናይቲ ቤት ማሕቡስ ናይ ምኻን ዕድል ኢዩ ተዋሂብዎም፡፡ ልዕሊ ኩሉ ግና ኣተሓሕዘኦም ከቢድ ስለዝኾነ ቆልዑ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ዝወሃቦም ስማዊ ትምህርቲ ዝሓስቡ ብዛዕባ ከመይ ገይሮም ከምልጡ ከምዝኽእሉ እዮም ዝሓስቡ፡፡

መነባብሮ ትሕቲ ዕድመ ኡሱራት ኣዝዩ ኢዩ ዘሰንብድ፡፡ ሓንቲ ኩባያ ሻሂ ምስ ክልተ ባኒ መሸላ ምስቆረሱ፡ ኣብ ምሳሕን ድራርን ክልተ ጭልፋ ዓደስ ኣብ 10 ሰብን ከክልተ ባኒ ምሸላን ይዕደሉ፡፡ ዝወሃቦም ጸብሒ ኣኣጥሊቕካ ወይ ከኣ በጅቢጅካ ዘብልዕ ስለዘይኮነ ባኒ ኣንኪሎም ጸብሒ የንጥብሉ፡፡ ኣብ ‘ቀይሕ ኮኮን’ ዘሎ ጥሜት ኣመና ሕሱም ኢዩ፡፡

ዝሰትይዎ ኮነ ዝሕጸብዎ ማይ ጨዋም ኢዩ፡፡ ኣብ ክንደይ ንሱ ግን እኹል ኣይኮነን፡፡ እተመደበትሎም ቦጥ ዕድሎም እንተጸቢቑ ኣብ ሳልስቲ ራብዕቲ ትመጾም እንተዘይኮይኑአ ሰሙንን ልእሊኡን ይጽበዩ፡፡ ብፍላይ ንነሰብሶም ዝኾውን ማይ ኣዝዮም ኢዮም ዝሽገሩ፡፡ ዕድል ዝገበረ ኣብ ክልተ ሰሙን ይሕጸብ ዕድል ዘይገበረ ድማ ዕድሉ ይጽበ፡፡

ዝሽረፎም ሳሙና ኮነ ጫማ የለን፡፡ ከምቶም ደቂ ሳሕል ኣያታቶም ብጅፊዒት ከይሕጸቡ እኳ እቲ ዘለውዎ ቦታ ኣመና ምድረ ባዳ ስለዝኾነ ጅፍዒት ከብቁል ኣይከኣለን፡፡ ክዳውንቲ’ውን ከምኡ፡፡ ጸሎት ግዳያት ዝኾኑ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ስድርኦም ኣበይ ከምዘለው ክፈልጡ’ሞ ዘድልዮም ሳሙና ኮነ ጫማ ወይ ውን ካልእ ክሰዱሎም ኢዩ፡፡

ኤለክትሪክ ን4 ሰዓታት ማለት ካብ ሰዓት 6፡00 ክሳብ ሰዓት 10፡00 ናይ ሚሸት ጥራይ ይረኽቡ፡፡ ተሌቭዥን ኮነ ሬዲዮ ዝበሃል የብሎምን፡፡ ሃገራዊ ኣህጉራዊ ሓበሬታ ናይ ምስማዕ መሰሎም ዝተዓግቱ ኢዮም፡፡ ከይሃድሙ ስለዝፈርሕዎም ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከም ኩዕሾ እግሪ መሳሊ ስፖርታዊ መዘናጊዒታት ክገብሩ ኣይፍቀዶሎምን፡፡

ቴሌፎን ምድዋል ኮነ ደብዳቤ ምጽሓፍ ከም ነውሪ’ዩ ዝቑጸር፡፡ ሃለዋት ደቆም ብሰበብ ሓቲቶም ክበጽሑ ዝመጹ ስድራቤት ንደቆም ኣብ ‘እንዳኣጋይሽ’ ኢሎም ሰፋሮ እቲ መዓስከር ዝጽውዕዋ ዓባይ ገረብ ኣብ ኣፍደገ እቲ መዓስከር ን15 ደቓይቕ ኣብ ቅድሚ ዋርድያ ክራኸቡ ጥራሕ ይፍቀደሎም፡፡ ዝመጾም መግቢ ኮነ ካልእ ዝብላዕ ነገር እንተሃሊዩ ኣብኡ ኮይኖም በሊዖም ይምለሱ፡፡

ናብ ምግብናን ናብ ክላስን እንተዘይኮይኑ እሱራት ‘ቀይሕ ኮኮን’ ካብ መደቀሲኦም ወጻኢ ተወዝ ክብሉ ኣይክአሉን፡፡ ንሽንቲ ኣብ ዝኸድሉ ግዜ ተሰሪዖምን ብወትሃደራት ተኸቢቦምን ይወጹ፡፡ ብፍላይ ደንደን ሰውራን ዓራርብን ኣዝዮም ጥርጡራት ስለዝኾኑ ኣብ መደቀሲኦም ከለው”ውን ብደገ ይዕጸው፡፡ ብገለ ቆልዑት ህድማ ኣብዘጋጠመሉ እዋን’ሞ ዝገደደ ኩላቶም እሱራት ቆሎውዕ ጫምኦም ተሓዲጎም ጥራይ እግሮም ከምዝኸዱ ይግበር፡፡

መደቀሲኦም ተንኮበት ኢዩ፡፡ ዝሓድርሉ ምድርቤት ንኩላቶም ዝኣክል ስለዘይኮነ ኮርቴሎ ብዝብልዎ ኣደቓቕሳ ይድቅሱ፡፡ እዚ ማለት ከኣ በቢክልተ ሕቖኦም እንዳተወሃሃቡ ብጎድኒ ካብ ሓደ ጫፍ ናይቲ ገዛ መንጽሩ ጫፍ ብምድቃስ ሓደ መስርዕ (መስመር) ይፈጥሩ እሞ ካልኦት ከኣ ከም ናቶም ብጎኖም እንዳደቀሱን ሕቖኦም እንዳተወሃሃቡን እግሮም ምስቶም ቀደማይ መስመር ዝደቀሱ ይተናኸፉ ማለት ኢዩ፡፡ እተን ዝሓሸ መደቀሲ ዘለወን ደቂኣንስትዮ ኣብ ሓደ ዓራት ክልተ ይድቅሳ፡፡

ሳዕቤን ኩቱር ጥሜትን ጉድለት ጽሬትን ቆልዑ ‘ቀይሕ ኮኮን’ ካብቲ ቦታ ዘይፍለዩ ሕማማት ሓካኪን (ዓበቕ)፡ ሓሳስያ፡ ፍሮማይ፡ ዓሶን ዓባይ ሰዓልን ኢዮም፡፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ሕክምና ስለዘየለ ከኣ ዝኽሰቱ ሕሙማት ዘይመሓርቲ ይገብሮም፡፡ ቆልዑ ምስተኸኣሉ ጥራይ ኢዮም ኣብ እንግዳዕ ትሕቲ ዕድመ ብጾቶም ተጸይሮም ብኽልተ ወይ ሰለስተ ካብ ሓለውቶም ተዓጂቦም ናብ መደበር ጥዕና ከተማ ናቕፋ ዝኸዱ፡፡ እዚ ዕድል ኣብ ዝረኽብሉ ግና ነብሶምን ናይ ምጽዋር ዓቕሞምን ድሮ ተወዲኡ ስለዝጸንሕ ናይ ምድሓን ዕድል ዳርጋ የብሎምን፡፡

ናይዚ ምስክር ከኣ ብዝሒ ዝሞቱ ዘለው ቆልዑ ኢዩ፡፡ ዛጊት 35 ቆልዑ ሞይቶም ኣለው፡፡ ዝሞቱ ቆልዑ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ናቕፋ ብዘይዝኾነ ሬሴኦም ዘዕርፍሉ ቦታ ዝሕብር እምኒ መቓብር ወይ ካልእ ምልክት ይቕበሩ፡፡ ዝሞቱ ብትሕቲ ዕድመ ብጾቶም”ዮም ዝቕበሩ፡፡ ምቕባር ግና ዝለመድዎ ግና ዝለመድዎ ዕዮ ኢዩ፡፡ ምኽንያቱ ዋላ ነቶም ካብ መደበር ታዕሊም ዕቑር ክ/ሰ 61 ናቕፋ ክሃድሙ ምስፈተኑ ብጥዩት ተመልከተለይ ተተሃሪሞም ዝሞቱ ዝቐረብርዎም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ቀይሕ ኮኮን ኢዮም፡፡ ሰሙናዊ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክፍሊ ታዕሊም ክ/ሰ 61 ክሃድሙ ዝፈተኑ ክልተ ሰለስተ ይቕበሩ፡፡ ንስድራቤት ብዛዕባ ሞት ደቆም ኣይሕበሮምን ኢዩ፡፡ እዞም ዝስዕቡ ገለ ካብቶም ኣብ ቀይሕ ኮኮን ዝሞቱ ኢዮም፡፡

ካብ ኣኽርያ ኣስመራ ዝተገፈ ወዲ 7 ዓመት ችኬ፡ 17 ዓመት ዝዕድምኡ ወዲ ከረን ተሓኒቑ ዝሞተ ሄርሞን ናይዝጊ፡ ወዲ 17 ዓመት ፊልሞን ካብ ኣስመራ፡ ወዲ 7 ዓመት ናትናኤል ካብ ኣስመራ፡ 7 ዓመት ዝዕድሚኡ ሓደ ንኣዲኡ ሄርሞን ካብ ማይተመናይ ኣስመራ፡ 15 ዝዕድሚኤ ሳልሕ ካብ ኣፍ ዓበት ወዲ 14 ዓመት ዛይድ ካብ ኣስመራ ….ወዘተ
ኣቀጻጽዓ እሱራት ትሕቲ ዕድመ ቀይሕ ኮኮን ከም ኣተሓሕዘኦምን ጭካነ ዝመልኦ ኢዩ፡፡ መግቢ ምኽላእ ኣብ መሬት ከምዘንገርግሩ ምግባር፡ ብደዎም ከለው ማይ ኪዒኻ ብበትሪ ምግራፍ፡ ክሳዕ ሓይሎም ዝጠልሞም ፍትለን ሓፍኮፍን ከምዝብሉ ምግባር ኣብ ከም ሻላ ዝጥቀምሉ ሽቓቓት ምዕጻው፡፡

ኣብ ከም ሸላ ዘገልግሉ ሽቓቓት ብምዕጻው ክቕጽዑ ዝተፈርዶም ቆልዑ ንመዓልታት ዝጸንሑ ኮይኖም ኣብ ዝተዓጸውሉ ሽቓቕ ቀልቀል ኮነ ሽንቲ ማይ ይወጹ፡፡ ማይ ብናይ ሊትሮ መትሓዚ ማይ ሰሓ ጥራይ ይወሃቦም፡፡ ገለ ካብቶም ኣብ ከም ሸላ ዘገልግሉ ሽቓቓት ተዓጺዮም ነዊሕ ዝገበሩ ኢሳያስ ተስፋይ ካብ ዓዲኻላ ወዲ 17 ዓመትን ናሆም ወይ ጆንሲና ወዲ 16 ዓመትን ይርከብዎም፡፡

ኣብ ምድኳን ቤት ማእሰርቲ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ‘ቀይሕ ኮኮን’ ዝለዓለ ኣበርክቶ ካብ ዝነበሮምን ኣብ ምክያዱ እውን ብቐጥታ ክሳተፉ ዝጸንሑ ላዕለዎት ሰበስልጣናት ብቀዳምነት ዝጥቀሱ ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ (ተኽለ ማንጁስ) ከምኡ’ውን ሌትናንት ኮሎኔል ፍጹም (ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ እዚ ሰሜን) ክኾኑ ከለው፡ ኣብ ምክትታልን ሓለዋን እቲ ቦታን ኣብ ምቁጽጻር ድስፕሊንን ምቕጻዕ ኣባላት እቲ መዓስከርን ድማ ኮሎኔል በረኸት መብራህቱ (ኮሮንፎት) (ኣዛዚ ዕቑር ክ/ሰ 61)፡ ሚግ ( ሓለቓ ስታፍ ዕቑር ክ/ሰራዊት 61፡ ተለንተ ገዛኢ (ስታፍ ምምሕዳር ዕቑር ክ/ሰ 61)፡ ኣቦይ ርጉም (ኣዛዚ ክፍሊ ተሃድሶ ዕቑር ክ/ሰራዊት ናቕፋ) ከምኡ’ውን ወዲ ሱዳን ኣዛዚ ክፍሊ ታዕሊም ዕቑር ክ/ሰ 61 እዮም፡፡

ጭካነን ክፋእን ቀይሕ ኮኮን ብቓላት ዝግለጽ ኣይኮነን፡፡ ዕምቆት ሕሰምን ጸበባን እሱራት ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ከምቲ ንሳቶም ዝነብርዎ ዘለው ሂወት ዘሕለፈ ጥራሕ ኢዩ ክርድኦ ዝኽእል፡፡ ሓደ ነገር ግን ንጹር ኢዩ፡፡ ‘ዒራዒሮ’ ዝሰልጠኑን ዝዓበዩን ኣቦታትና ዝሓቅሉ ስፍራ፡ “ቀይሕ ኮኮን” ከኣ ዝነኣሱ ትሕቲ ዕድመ ህጻውንትና ዝማስንሉ ስፍራ ማለት ኢዩ፡፡

 

WegahtaSalina…

 

 

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.