ሰብ ጋዕሲ!

ሰብ ጋዕሲ!
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ ሓምለ 14-14

እነሆ እጹብ ድንቂ! ‘ንሕናማቕ ዘመንሲ በዓል ጋዕሳ’ለዋ!’ እዞም ሰብ ጋዕሲ እዚኣቶም ኤርትራን ህዝባን ንምጽናት ዝተዘርኡ ዘርኢ ዳንዴር ኢዮም። ከምዚ ናይ ኤርትራ ዝመሳሰል ግርንቢጥ ኣይተራእየን። ኣብ መሬት ኤርትራ ብድሕሪ እቲ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነት መን’ዩ ብመንነቱን ታሪኹን ክሕበን ዝግበኦ ዝነበረ? ከምቲ ‘ንተከዘ ኣነ ዝደልያ ብሕምብርቲ፡ ንሳ ዝመጸትኒ ብቅርቅርቲ’ ዝበሎ በዓል ተከዘ፣ ንሕና ዝተጸበና፡ ሓርነትን ፍትሒን፤ ሰብ ጋዕሲ ዝፈደዩና ግን ስደትን ሞትን! እዛ ምድረ-ሰማእታት ሰብ ጋዕሲ ረኺባ፣ ሕማቕ ዘመን ኣጋጢሙ።

እቶም ንውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ መሪሖም ናብ ናጽነት ዝኣተዉ ገዳይም ተጋደልቲ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ናብ ህዝቢ ነሰጋግር፡ ብሕጊን ቅዋምን ንማእዘዝ፡ ሕጊ ይንገስ ዝበሉ ደቀባት ንኣራዊት’ኳ ዘይትምነዮ ሕሰም ተፈድዮም ንሓዋሩ ጠፊኦም ኢዮም። ሽዑ ንሽዑ ድማ እቶም ኣብ ትሕቲ ሕቑፊ ኢሳይያስ ኣብ ምምስራት ህግደፍ ዝተጨጭሑ ጨቓዊት ኣትማን የማነ ማንከይን ሓጎስ ክሻን ንሙሉእ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ባይታ ኤርትራ ገበትዎ።

ብድሕሪ ምእሳር ሚኒስተራት፡ ምድስካል ብዙሓት ተጋደልቲ ሰዓበ። ብድሕሪ ምድስካል’ውን ማእሰርቲን ብዝተፈላለየ ኣገባባት ቅንጸላን ክሳብ ሎሚ ይቕጽል ኣሎ። ምድስካል፡ ኣብ ዘመነ ሰብ ጋዕሲ ዝተራእየ ፍልስፍና ኢዩ። ኣብ ዘመነ ህግደፍ ንሃገርን ህዝቢን ዝሓሊ ሓላፊ የድሊ ኣይነበረን። ድሕሪ ምድስካል ናይ ገዳይም ሓለፍቲ፣ ካብ 1999፣ ብፍላይ ድማ ድሕሪ 2001 ኣብ ኩሉ ምምሕዳራትን መንግስታዊ መሳርዕን ህግደፍ ዝበላ ከም ፓፓጋሎ ክደግሙ ዝውዕሉ መልሚሎምን መምዮምን መልእዎም። እምባትካላን ናቕፋን ከኣ መመልመሊ ካድረታት ህግደፍ ኮና። ሎሚ ኣብ ዝኾነ ቤት ጽሕፈት ንህዝቢ ሓቀኛ ፍታሕ ዝገብር ሓላፊ ይድለ የሎን። ንህዝቢ ፍታሕ ክግበር ስለዘይተደልየ፡ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኩሉ ነገር የለን።

ሕማቕ ዘመን በዓል ጋዕሳ’ለዋ! ፈላሚ ዘርኢ ክርዳድ ኢሳይያስን ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍን ኣብ ወሳኒ መንግስታዊ ሓላፍነት፣ ከምኡ እውን ኣብ መብዛሕትኡ መንግስታዊ ጽፍሕታት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ናብ ወጻኢ ሃገራት ብዝለዓለ ሓላፍነት ሰባት ንምምዳብ ዝጥቀሙሉ ቀንዲ ረቛሒታት፦ መበቆል ትውልዲ ኢዩ። ኤርትራዊ ዓሻ! ከምቲ ውሕጅ እናሰሓቕካ ኢዩ ዝወስድ ዝበሃል፣ እናሰሓቕካን ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ደቅኻ እናሳዕሳዕካን ሰብ ጋዕሲ ናብ ቃሕ ዝበሎም መሮር ወሲዶም ከጥፍኡኻ ኢዮም ዝሰርሑ ዘሎ’ሞ ኣዒንትኻ ክፈት።

ስለዚ ካብዚ ስትራተጂ’ዚ ብምብጋስ ኣመራርጻ ህግደፍ፡ ናይቲ ናብ ሓላፍነት ዝመጽእ ሰብ፣ ናይ ግድን ናይ መንነት ቅልውላው ወይ ስክፍታ ዘለዎ ንክኸውን ይምረጽ። (ናይቲ ኣቐዲሙ ዝረሰነ እምኒ ብርኩታ፡ ሎሚ ብርኩታ ደምህት ክብርኮት ምርኣይ’ምበኣር ከም ዋዛ ዝቦቐለ፡ ተኽሊ ደምበ ኣይኮነን። እዛ ብርኩታ ኣብ ውሽጣ እምኒ ኣላታ!) እዚ ብዙሓት ከም ሕፍረት ዝርእዩዎ’ኳ እንተኾኑ፡ ከም ጸሓይ ጾመ-ኣርብዓ በጣዕጣዕ ዝበለ ሓቂ ኢዩ። እቶም ንሓላፍነት ዝተመርጹ ሰባት ከኣ ኣብቲ ዝወሃቦም ቦታ ገበርትን ሓደግትን ናይ ምዃን መሰል ይረኽቡ። እዚ ከምዚ ዓይነት ኣመድድባ ብፍላይ ካብ ምእሳር ጉጅለ 15 ብጋህዲ ተራእዩ ኢዩ።

ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ድኹም ጎድንታት ዝነበሮም ሰባት ናብ ሕጸ ንሓላፍነት ይቀርቡ ኢዮም። ኣብ ኲናት ክፈርሑ ብሰባት ዝተራእዩ፣ ብዝነበሮም ድኻም ዝተፈላለየ ጌጋታት ተኣሲሮም ዝነበሩ፡ ኣብ ሜዳን ብድሕሪ ናጽነትን ብኢሳይያስ ዝተጸፍዑ፣ ወ.ዘ.ተ…ደቂቕ መጽናዕቲ እናተገብረ ናብ ሓላፍነት ደየቡ። ምኽንያቱ እቶም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ርእሰ-ምትእምማን ኣጥፊኦም ስለዝነበሩ፣ ኣብ ሰብ ጋዕሲ ዝነገሱሉ ሕማቕ ዘመን ምእዙዛት ኮይኖም ከም ዝኸዱ ተጸኒዑ ነበረ። ናብ ብልሽዉና ቀልጡፎም ክኣትዉ ዝኽእሉ ስሱዓት፣ ወይ ኣቐዲሞም ኣትዮም ዝነበሩ’ሞ ማእሰርቲ ወይ ምድስካል ኢሳይያስ ዝቐመሱ።

ብህርፋን ገንዘብ ከምባሁቑ ዝሓድሩ፡ ሓለፍቲ ንክኾኑ ይድለ። በዚ ከኣ ኣብቲ ሓቢርና ንብላዕ ዝበሃለሉ ዘሎ ግዜ ሰብ ጋዕሲ፣ ሓቢሮም ይበልዑ። ንምእላይ ኣብ ዝድለየሉ ድማ፣ ብብልሽውና ኣመኽንዮም ከውርድዎም ስለዝኽእሉ፤ ብዓይኒ ኢሳይያስ ምቹእ ሕርያ ተገብረሎም። ርእሰ-ተኣማንነት ዘይብሎም፣ ዝተባህሎም ጥራይ ዝገብሩ፣ ብዛዕባ ከብዶም ጥራይ ዝሓስቡ፡ ጉዳይ ህዝቢ ናብ ጉድጓድ ይእቶ ዘይግድሶም፣ ምእዙዛትን እሺ በሃልትን ሰባት ንክኾኑ ደቂቕ ገምጋም ተገብረ። ከምቲ ‘ኣፍንጫ እንተተሃርመት ዓይኒ ትነብዕ’ ዝበሃል፡ ህዝቡ ክሳቐን ክዕመጽን ብሕልና ትም ዘይብል ኤርትራዊ፡ ህዝበይ ኣይበደል ዝብል ወደባት፡ በብግዚኡ ካብ ሃገር ከም ዝባረር ተገብረ።

ኣመራርጻ ሰብ ጋዕሲ፡ ናይ ቀረባ ዘመድ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ወይ ዘመድ ኣንስቲ ሓለፍቲ ህግደፍ ንክኾኑ ሓያለይ መጽናዕቲ ይግበረሎም ነበረ። መሰል ብሄራት፣ ሃይማኖታት ወይ መሰል ደቀንስትዮ ዝተሓለወ ንምምሳል፣ ምንም እንዶ ምምሕዳርን ተቐባልነትን ዘይብሎምን ዘይብለንን ሰባት ናብ ዝለዓለ ሓላፍነትን መዝነትን ምምዳብ ሓደ ካብቲ ሰብ ጋዕሲ ዝወጠንዎ ፕላን ኢዩ። ክሳብ ዝደልዎም ክጥቀሙሎም ዝደልዩ ፈላጣትን ምሁራትን በብመልክዖም ምሓዝ። ምስ ተጠቕሙሎም ከም ዲስፖሳብል ሲሪንጋ ምድርባይ ሓደ ካብ ጸወታ ገበጣ ሰብ ጋዕሲ ኢዩ።

ናይ ምሕሳው፣ ሰባት ምውቓዕ፡ ወረን ቤላቤለውን ምብታንን ናይ ፕሮፓጋንዳ ክእለት ዘለዎምን፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ድማ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ምፍልላይን ምጉጅጃልን ንምፍጣር ናይ ክፍኣት ተዋሳእቲ ስለዝኾኑ ኣብ ቅድሚ ሰብ ጋዕሲ ቅቡላት ኢዮም። ኣዝዮም ጨካናት፡ ወይ ቀንጸልቲ ንክኾኑ ባህርያቶም ዝተፈልጠ፤ ደቂቕ ሕርያ ይግበረሎም ነበረ።

ሰብ ጋዕሲ፡ ኣብ ዘመኖም ካብ መዝገብ ዝሓኸኽዎም ዓበይቲ ጉዳያት፤

ካብ ግዜ ናጽነት ክሳብ ሎሚ /ክፍላ 2014/ መብጽዓ ዝተገብረሎምን ዝተረስዑን ጉዳያት ጸብጺብካ ዝውድኡ ኣይኮኑን። ብጥውይዋይ ልቢ ዝምራሕ መንግስቲ ህግደፍ፣ መንግስቲ ሓሶትን ምትላልን ኢዩ። ትማሊ ዝተባህለ ሎሚ ዝርስዕ ህዝቢ ብምርካቡ ከኣ ዕድለኛ ገበሮ። ጉዳይ እስትሕጋግ ተጋደልቲ፤ /እቲ ብ1993 ዝተኣወጀ ኣነዋሪ ጉዳይ እስትሕጋግ ማለት ሂወቱ ንዝኸፍል ሓደ ተጋዳላይ 1 ዶላር ንመዓልቲ ኢዩ ተባሂሉ ዝነበረ። ካብ በሃሊኡስ ደጋሚኡ ከም ዝበሃል ከኣ፣ ንክደግሞ’ውን ስኽፍ-ክፍ ዘብል ካሕሳ ኢዩ።

ኣብቲ ንምእማኑ ዘጸግም ዘመን-ጊንጢነት ሂወቱ ዝኸፍል ዝነበረ ኤርትራዊ፣ ንመዓልቲ $1 ኢኻ ትኽፈል ማለት፤ ልዕሊ ርእሲ ዝደየበ ንዕቀት ጥራይ ኢዩ ነይሩ። እቲ ካብ ኩሉ ማሕበራዊ ቀጸላታት፣ ሃይማኖታት፣ ብሄራትን ብዝተፈላለየ ዕድመን ጾታን ዝተዛነቐ፤ ንነፍሱ ረሲዑ ከም ደመ-ዎ ስጋሁ ዝተቐበለ ባሕታዊ ዝመስል፣ ስለ ሃገሩን ህዝቡን ቆራቢን ሰጋዲን ተጋዳላይ፡ ማዕረ ሓደ ጊልያ ዝሰርሖ’ውን ንክኽፈል ዕድል ኣይረኸበን።

ሽዑ ይዋእ! ተጋዳላይ ካልኩለተር ገይሩ ከርብሕ ይውዕል ነበረ። 15 ዓመታት ዝተጋደለ ሰብ ብ 365 መዓልታት ምስ ኣርብሖ፣ ብሕሳብ ንመዓልቲ ከኣ ብሓደ ዶላር ምስ ናይ ሽዑ ምጣነ-ሸርፊ ብ7.2 ገይሩ ሕሳቡ 39,420 ብር ይኾነለይ ኢሉ ኣንባሃቘ። መስደምም’ዩ! ሰብ ጋዕሲ ኣብቲ ግዜ’ቲ መኽፈሊ ጋር ነፍሲ ኣስታት 70 ሽሕ በጺሑ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ ደበስ ንስድራ ቤት ስዉኣት ግን 10 ሽሕ ጥራይ ንክኸውን ተኣወጀ። ወላ እቲ ድሩት መብጽዓ ግን ኣይተረኽበን። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ጉጅለ 15 ኣብ 2001 ዘይኮኑስ፡ ኣቐዲሞም ተእእሲሮም ከም ዝነበሩ ኢዩ ዝበርህ ዘሎ።

ብድሕሪ ኣድማ ተጋደልቲ ብዝተገብረ ምእሳርን በብቑሩብ ብዝሰዓበ ምብትታን ህ.ግ.ሓ.ኤርትራን ምእሳር ገዳይም መሪሕነት፣ ምስራት ኣስካሕካሒ ውልቀ-ምልኪን ፋሕ-ጭንግራሕ ህዝቢን ምስ ሰዓበ፣ ጉዳይ ስትሕጋግን ደበስን ከም ሕማም ሕርሲ ተረሲዑ ተረፈ። እምበኣርከስ እቲ ብሰበብ ባድመ ዝተወልዐ ኲናት፣ ሰብ ጋዕሲ ደቀባት ንምእሳር ካብ ዓቕሊ ጽበት ዝወጽኡሉ ብልሂ ስልቲ መሲሉ ስለዝተራእዮ ኢዮም ወሊዖምዎ። ግን እቲ ብምብራዕ ኲናት ባድመ ዝበሰለ ቅጫ ዘይኮነስ፣ ብግልባጡ ኳዂቶ ደኣ ኮነ። እነሆ መንበረ-ስልጣን ሰብ ጋዕሲ፣ ብሰንኪ እቲ ጥውይዋይ ልቦም፣ ናብ ዋዜማ ዘመነ-ቅብጸቶም ንክበጽሑ ተቓሪቦም ኣለዉ።

እቲ ካብ እስትሕጋግ ክመጽእ ዝግብኦ ገንዘብ፣ ክልተ-ሰለስተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ኣብ ሓደ ምሸት ዝሕሽሽዎ ብሉ ለበል ኢዩ። ናብ ካዝና ኢሳይያስ ዝኣቱ’ምበር ካብ ሕሳባቱ ዝወጽእ ገንዘብ የለን። ስለዚ ብጠንቂ ኲናት ባድመ፣ ከምቲ ሰስግኡ ንዓና፣ ዓዓጽሙ ንከልቢ እንዳ ጎይታና ዝበሃል ጽውጽዋይ፤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ሰስግኡ ንዕኦም፣ ዓዓጽሙ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ኮነ።

ጉዳይ መሬት ንተጣየስቲን ግቡኦም ዝፈጸሙ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን፤ /ተጣያሳይ ተጋዳላይ ወይ ዋርሳይ ኣብ ዝመረጾ ኣከባቢ መሬት ክወሃብ ተባሂሉ ነበረ። ዝተገብረ ፍታሕ ግና የለን።/ እቲ ምእንቲ መሬት ዝተጋደለ ዜጋ ኣንኳይዶ መሬትሲ፣ ገዛ ክራይ’ውን ኣብ ዘይረኽበሉ ሰዓት ኢዩ ዝበጽሐ። እቲ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ን18 ኣዋርሕ ተባሂሉ ዝተኣወጀ ወፍሪ ሳዋ፡ ክሳብ ሎሚ ፍታሕ ኣይረኸበን።

እቲ ካብ 1961 ዓ.ም. ኣትሒዙ ምእንቲ መሬት ክብል ዕድመኡ ንናጽነት ዝወፈየ ተጋዳላይን ኣባላት ሓፋሽ ውድባትን፣ ድሕሪ ናጽነት ገንዘቡ ከፊሉ ዝነብረሉ መሳፍሒ ዘይኮነስ፤ መኾርመዪ’ውን ተነፍጎ። ካብ በዓል ጣፍ፣ በዓል ኣፍ ከም ዝተባህለ፣ ሰብ ማዕረግን ሰብ ሽጉጥን ከከም ሓይልኻ ኮይኑ፣ ኣሎ ዝበሃል ጸጽቡቕ ኣባይቲ፣ ንነበርቲ ህዝቢ ናብ ጎደና እናጎሓፉ ባዕላቶም ሰፈርዎ።

ሕቶ መንበሪ ገዛ ንስንኩላን፤ ኣይተተግበረን። “ሕንቃቐ በዚሑ… ጨለ ዘረባታት!‘’ ኢሎም እንዶ ግዳ ሰብ ጋዕሲ፣ ናይ መወዳእታ ደበስ ስድራ ቤት ናይ ሜዳ ስውኣት፤ ብዓቢ ክንክን ዘዕበይዎም ደቆም ዝሰኣኑ ወለዲ ብላግጺ ተጨፍጨፉ። ካብ ሓደ ገዛ ክልተ፣ ሰለስተን ኣርባዕተን ዝተሰውኡን ኣጸቢቖም ዝበተኹን ወለዲ፣ ቁሊሕ ዝብሎም መንግስቲ ተሳእነ። ደበስ ስድራ ቤት ስውኣት ዋርሳይ፤ ኣብቲ ብዕንደራ ሰብ ጋዕሲ ዝተወልዐ ኣስካሕካሒ ኲናት ባድመ፣ ናይ ዝወደቑ ደቂ ኤርትራ ደበስ’ውን ከምቲ ቀዳማይ መጻወቲ ኮነ። እቲ ጥውይዋይ ልቢ መመሊሱ እናተጠምዘዘ፣ መን ቃል ይዛረብ!

ናይ 30 ዓመታት ናይ ኲናት ካሕሳ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ከምኡ’ውን ካሕሳ ካብቶም ቀዳሞት ገዛእቲ ኤርትራ ዝነበሩ መንግስታት ምሕታት ግቡእ ኢዩ። እንተኾነ ግን ሰብ ጋዕሲ ብወግዒ ተሓቲቶም ንጉዳይ ካሕሳ ኣንይሓትትን ኢና ኢሎም ከም ዝነበሩ ዚዝከር ኢዩ። ብድሕሪኡ ንክሕተት ዝደረኸ መራሒ ኣይነበረን። እነሆ ከኣ ሎሚ ከም ርሱዕ ጉዳይ ተወሲዱ ናብ ናይ ታሪኽ ጉሓፍ ተደርብዩ ከም ዝተርፍ ተገብረ። ኣንታ ብሓበላ ዝተሸፈንካ ዜጋ፡ ሕጂ ማጨሎት ተሓጸብ።

ሕማቕ ዘመን በዓል ጋዕሳ’ለዋ! ዝበሃል እምበኣር ብልክዕ ናባና ዝወረደ ጥሚቕ ኢዩ። ኣንታ ህዝቢ! ካብዚ ናጤባ’ዚ ንምግልጋል ክልተ ግዜ ሕሰብ!! ስለዚ ኣብ ምስትውዓል ዘድልዮ ግዜ ኢና ዘለና። መስሓቕ ሸራፋት ከይንኸውንሲ፡ ብኣውራጃ፡ ሃይማኖት፡ ጀብሃን ሻዕብያን፡ ብባንዴራ፡ ብደርፊ ባእሲን ጽልኢን ይኣክል። መሬት ዓደቦኻ ደምህት ይጻወቱሉ፡ ኣዋልድ ሃገርካ ብደምህት ይዕመጻን ይነብዓን፡ ህዝብኻ ብሓለንጊ ጥሜት እናተገርፈ፡ ኣባላት ደምህት ዝስውዱሉ ዘለዉ፡ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ገበርትን ሓደግትን ንምዃን ዝሕጸዩሉ ዘለዉ ግዜ ምዃኑ ኣስተውዒልካ ኩሉ ደናጉላና ናብ ሰብ ጋዕሲ ይወርወር። ኣንታ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለኻ ሰብ፡ ኣንታ ኣብ ውሽጢ ሃገር ሰናድር ዝተቐነትካ ዜጋ፡ ክሻፋኻ ናብ ሰብ ጋዕሲ ኣነጻጽራ። ሰኣን ብትኽ፡ ከይንበትኽ፤ ሎሚ ብተኽ ወዲ መሬት።

‘ውጽኣ መባልዕቲ፡ እተዋ መናብዕቲ’ እቶም ብሓባር ንኤርትራ ስጋኣን ዓጽማን ዝምንጭትዋ ዘለዉ ሰብ ጋዕሲ ንክወጹ፡ ንሕና እቶም መናብዕትኻ ድማ ንክንኣቱ፡ እወ ሎሚ ብተኽ ኣርሓ!

ሰማእታትና ማዕረ’ቲ ንሞት ብትብዓት ዝተቐበልዎ፡ ንሕና ከኣ ሕልፈቶም ብኒሕ ንደብሶ!

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!