ሓድሕዳዊ ምፍልላይ ኣብ ደምበ ተዋህዶ ንረብሓ መን?

ሓድሕዳዊ ምፍልላይ ኣብ ደምበ ተዋህዶ ንረብሓ መን?

ኣርድእት ዘኦርቶዶክስ ተመሃሮ ኮለጃት ማይ ነፍሒ፥ ኣብ ፈታኒ ኩንታት ንርከብ ኣለና። ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ-ኤርትራ ኣብ ታሪኽ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ናይ ምውንጅጃል ጊዜ ተሕልፈሉ ዘላ ዘመን እዩ፣ ካብቲ ኣብ 2000 ዓመት ዝተፈጥረ ምፍልላይን ምቅጻል ቅዱሳት መጻሕፍትን ዝጀመረሉ እዋን ክሳብ ሎሚ ንሰማዒኡ ዘደንጹ ዕንወት ይበጽሓ ኣሎ፣ ሰዓብታን ተኸተልታን ዝያዳ ድማ መንእሰያት ንጠፍእ ዘይኮነስ ንጸንት ኣለና እዩ ዘብል፣ ገለ መንእሰያት ብናይ መናፍቓን መዝሙራትን ስብከታትን ይታለሉ፥ ፍርቆም በቲ ኣብ ውሽጣ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ተመቓቒሎም፥ ገለውን ምስ መናፍቓን ምጽምባር ማለት ዘመናውነትን (ምዕባለ) ዝመስሎም ስምዒታውያን፥ መዓልታዊ ራሕሪሖማ ክኸዱን ሃይማኖቶም ክልውጡን ንርእዮም ኣሎና።

ብደገ ንዝርኢ እዚ ንጠቕሶ ዘሎና ጥራይ ክመስሎም ይከኣል እዩ፣ እትው ኢሉ እቲ ውሽጢ ንዝርድኦ ግና እቲ ጠንቂ እዚ ዝተጠቕሰ ጥራይ ኣይኮነን። ከምቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማቴ: 12: 25. ንሓድሕዳ እተፈላለየት ቤት ኣይትነብርን እያ ዝበሎ፥ ኣብ ንሕድሕድና ዘሎ ምብላዕን ምውንጃልን ንህዝብና ከቢድ ፈተናን ብድሆን ኮይንዎ ኣሎ። ሎሚ እቲ ኣብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ዘሎ ንፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝኽተልን ዝስዕብን ኣካል፥ ኣንጻር እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ብኣቡነ ደስቆሮስ ዝምራሕ (ኣቡነ ዲይስቆሮስ እኳ ኣበይ ኣለዉ ኣቡነ ሉቃስ ዝምራሕ ንበሎ) ዘመተ ምክያዱ ብሓቂ ነቲ ዘለዎም ስልጡንን ምሁርን ክኢላን ዓቕሞም ዘናእስ ኮይኑ እዩ ዝስምዓና። ስለዚ ስኽን ኢሎም ክሓስቡሉ ይግባእ ንብል፣ ከመይሲ ንቤተ ክርስትያንና ሃሳዪ ስለ ዝኾነ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ቤተ ክህነት ምርጫ የብሉን፣ ወይ በል ዝተባህሎ ክብል ኣለዎ፥ ወይድማ ክእሰርን ክስደድን ኣለዎ፣ እቲ ዝኸበደ ጸገም ግን ማእሰርትን ስደትን ኣይኮነን፥ ውሽጣዊ ሰብ ዘይፈልጦ መቕጻዕትን ማእሰርትን ስቓይንውን ኣሎ። ኣርድእት ዘኦርቶዶክስ ኣብ ኮለጃት ክምስረት እንከሎ፥ ንተዋህዶ ሃይማኖት ዓቢ ተስፋን ሓይልን እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ሓለፍቲ ኮለጃት ብፍላይ ድማ ኮሎኔል እዝራ ወልደገብርኤል ኣብ ዝነበረሉ፥ ኣርድእት ዘኦርቶዶክስ ከም ድላይና ክንሰብኽ ክንዝምር፥ ክንእከብን ክንንቀሳቐስን ሰፊሕ ዕድል እዩ ነይሩና። ብብዝሒውን ካብ ኣምሓርኛ ዝተገልበጡ መዛሙራት ይዝመር ነይሩ፥ ገሊኡውን ከም ዘለዉ ብኣምሓርኛ፣ ድኻምነት ግን ነይርዎ። መዛሙራትና ዝያዳ ኦርቶዶክሳዊ ንምምሳል፥ ብዋጣን ክራርን ሻምብቆን ጥራይ ብምንባሩ ሓደ ዓይነት ቃና ካብ ናይ ኢትዮጵያ ዝተቐድሐ ኣምሓርኛ ዝጥዕም ቃና መዛሙር ብምዃኑ፥ ምስቲ ናይ መናፍቓን መዛሙር ኣነጻጺርና፥ ናትና መዛሙር ብትሕዝቶ ይኹን ብቓና፥ ኣብ ልቢ መንእሰያት ዝሰርጽ ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። እንተ ስብከት ግን ሳላ እንተርነታት፥ መጻሕፍቲ ፖፕ ሽኖዳ፥ ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዘቕርቦ ትምህርትታትን ስብከታትን፥ ምስጢራት ቤተ ክርስትያንን ጽቡቕ ገይሩ ይቐርብ ስለ ዝነበረ፥ ጽቡቕ ተቐባልነት ነይርዎ ክበሃል ይከኣል።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብፍላይ ድሕሪ ምእላይ በዓል ኮሎኔል እዝራ ጉባኤ ኣርድእት ዘኦርቶዶክስ ኣብ ሕማቕ ኩነታት እዩ ወዲቑ። እቲ ጸገም ኣሕጽር ኣቢልና ክንገልጾ እምበር ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን፣

  1. ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ብፍልጠት ብቕዓት ዘለዎ ተሓታቲ የብላን፣ እቶም ብመንፈሳዊ ፍልጠቶም ብቕዓቶም ትሕትናኦም ኣዝዮም ፍሉጥ ዝኾኑ እንኮ ኣብ ኤርትራ ብስነ መለኮት ተሓታትን ምሁርን መርገታ ሰመረኣብ ቀሺ ወልደገብርኤል ካብ ቤተ ክርስቲያን ብምስጓጎም፥ ሓቲትካ ክትረኽቦ ትኽእል መልሲ የለን፣ እንተ ሓተትካውን ተመሊስካ ንርእስኻ ኣብ ሕቶ ምልክት ተእትዋ ናይ ምፍርራህ ሕይወት፥ ይወርደካ፥ እቲ ተሓድሶ፥ መናፍቕ ዝብል ናይ ጸለመ ኣስማት የንጸላልወካ።
  2. ብስም ኣጻራይት ሃይማኖት ዝቖሙ ኣዝዮም ስምዒታውያን መንእሰያት መብዛሕትኦም ካብ ኪዳነ ምሕረት ማይተመናይ ዝኾኑ 12 ሰባት ኣለዉ። እዚኦም ኣካል እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ማሕበረ ቅዱሳን ዝበሃል ትካል እዮም። ገጹ ባህ ንዘይበሎም፥ ንዝጸልእዎ፥ ብናታቶም መዕቀኒ ዝመዝንዎ ኩሉ መናፍቕ፥ ተሓድሶ፥ ጸረ ሃገር ዝብል ኣስማት ብምልጣፍ፥ ናይ እምነትካ መሰል ገፊፉ ዝሰጉግ ትካል ኣሎ። እዚ ምትእኽኻብ፥ እዚ ኣነ እዚ ኢየ ዝኣምን ኢልካ ዘይኮነስ፥ እቲ ንሕና ንብለካ ኢኻ ኢሉ ባዕሉ ስም ዘሰክም ንደቂ ቤተክርስትያን በትሪ ሒዙ ዝሰጉግ ምሕረት ኣልቦ ጉጅለ እዩ። እዚ ብኣቡነ ሉቃስ ዝምራሕ ብስምዒት እምበር ስኽን ኢልካ ናይ ምሕሳብ ተኽእሎ ዘይብሎም፥ መንፈሳዊ ፍልጠት ይኹን ብቕዓት ዘይብሎም፣ ብዝፈጥርዎ ራዕድን ምፍርራህን ኩሉ ሰብ ስለ ዝተሸቑረረ፥ እምነቱ ዝገልጽውን ንሶም ብዝህብዎ መዕቀኒ ጥራሕ እዩ።
  3. ኣብ ኮለጃት ዘለዉ መማህራን መብዛሕትኦም ነቲ ናይ መናፍቓን ምንቅስቓስ ዝስዕቡን ዝኽተሉን ብምዃኖም፥ ሎሚ ኦርቶዶክሳዊ ምዃን ዘሕፍርን ዘሰክፍን፥ ከምኡ ድማ ናይ ስምዒታውያንን ደናቁርን መእከቢ ባህላዊ እምነት ገይሮም ብምግላጽ ነቲ ተማሃራይ የሸቑርርዎ ጥራይ ዘይኮነስ፥ ነጥቡ (Grade) ክሳብ ምጉዳል ከም ዝደሃል ብምግባር፥ ኣይንፈልጦምን ኢና ተባሂሎም ብስም ጥርኑፋት ይእሰሩ፣ ዝከታተሎም ይኹን ዝሓልየሎም የለን። በዚ ከኣ ኣዝዮም ብዙሓት ዝጠፍኡ ኣለዉ። እቶም ኣብ ካልእ ሃይማኖታት ዘለዉ ግን ብፍላይ ናይ በዓል ጰንጤ፥ ከኒሻ፥ ወዘተ ዝኣመሰሉ እቶም ናይ ፕሮትስታን ምምሕዳር ቀልጢፎም ናትና ኢዮም ኢሎም ተጓይዮም ካብ ማእሰርቲ የውጽእዎም፣ ደቂ ካቶሊክ ዝለዓለ ክብረት ዘለዎም እዮም ኣይሕተቱን’ውን። ደቂ ኦርቶዶክስ ግን ኣብ ርእሲ ኦርቶዶክሳዊ እምነት ጥራይ ዘሎካ ብምዃንካ፥ ኣብ ርእሲ ምእሳርካ መናፍቕ ተሓድሶ ዝብል ስም ይልጠፈካ እሞ ኣብ ቤት ማእሰርቲን ጎዳጉድን ትበሊ።
  4. እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ኣብ ኮለጃት ዝናፈስ ወረ፥ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ማለት ባህላዊ ሃይማኖት እምበር ብክርስቶስ ኢየሱስ ብድሕነቱ ዘይኣምን ገርካ ምውራይ፥ ኣብ ኮለጃት ዘለዉ ክኣ ምሁራት ስለ ዝኾኑ ኣብ ድሑር ሃይማኖት ምንባር ገይሮም ስለ ዝርእይዎ ካብ ባህላዊ ሃይማኖት ምእላይ፥ ካብ ኣምልኾና ጀሚርካ ዝግበር ጸርፍን ጸለመታትን እዚ ኢልካ ዝቑጸር ኣይኮነን። ካብቲ ዘገርም ግን እቶም መናፍቓን ባዕላቶም ነቶም ደቂ ኦርቶዶክስ፥ እዚኦም ተሃድሶ እዮም መናፍቓን እዮም ክእሰሩ ኣለዎም ኢሎም ምስቶም ናይ መንበረ ፓትርያርክ ሓለፍቲ ተመሳጢሮም የሳቕዩና፥ የሸግሩና፥ የእስሩና ምህላዎም እዩ።
  5. ኣብ መብዛሕትኡ ኣብያተ ክርስትያናት ዝወሃብ ስብከት ንሰብ ዘርዕድን ዘሰክፍን፥ ተጠንቀቑ መናፍቓን ኣትዮሙና ኣለዉ፥ ኣብዚውን ኣለዉ፥ ንማርያም ዝጸርፉ፥ ሓጢኣተኛ እያ ዝብሉ ኣለዉ፥ ወዘተ ዝብል ስብከታት ንኣረገውቲ ኣንስቲ ዘንብዑን ዘሰናብዱን፥ ሰብ ንሓድሕዱ ከም ዝፈራራህን ከም ዝጠራጠርን ዝገብሩ፥ ንኣዴታት ሳላኽን እያ ሃገርን ሃይማኖትን እናበሉ ዕልል ዘብሉን ጊዚኣውያን ሰብ ረብሓ ብምዃኖም እቲ ቁሩብ ርድኢት ዘሕደረን ዘመዛዝንን ሰብ፥ ካብ ቤተ ክርስትያን ምኻድ ትስልም ኣቢልካ ገዛኻ ምውዓል ይሓይሽ ዝብለሉ ግዜ ኮይኑ ኣሎ።
  6. ሎሚ ኣብ ኤርትራ ቁሩብ ወንጌል ፍልጥ ኣቢሉ ኣብ ህዝቢ ዝተቐልቀለ ኩሉ ቀሺ ወይ ዲያቆን፥ ናይ ምንባሩን ዘይምንባሩን ሕቶ ብድሆታት እዩ ዝገጥሞ ዘሎ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ፥ መናፍቕ ተሓድሶ ትብል ስም ይጥቀን። ኣብ ገጠራት እንተ ኸድካ ከኣ ካብዚ ዝኸፍአ ስም ምጥፋእ ኣሎ፣ ቀሺ እገለ ቡዳ እዩ፥ ዲያቆን እገለ ቡዳ እዩ፥ መርገታ እገለ ቡዳ እዩ እናተባህለ ምስ ሰብ ምጽንባርን መውስቦ ዘኸልክልን ጸገማት የጋጥሞም ኣሎ።
  7.  እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝንን ዘጉህን ጉዳይ ጥንቆላን ቡዳን ኩሉ ድማ ሕማም ተዋህዶ ተባሂሉ ምጥቃሱ እዩ። እቶም ዘለዉ ዝርካቦም ኣረገውቲ ጳጳሳትና እዚ ኩሉ ዝወርድ ዘሎ ጸገምን ግፍዕን ኣይርድኦምን እዩ፣ ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካሕሳይ ጸሓፊ ሲኖዶስ፥ ግርማይ ምክትል ሓላፊ ምምሕዳር ኮይኖም፥ ነቶም ኣቦታት ከም ድላዮም ይጠውይዎምን የታልልዎምን ኣለዉ።

ብሓፈሻ እዚ ቁሩብ ቁራቦ ካብቲ ዘጋጥመና ዘሎ ፈተናታት ንምግላጽ እምበር ኩነታትና መኣዝንካ ዘጥፍእ እዩ በጺሑ ዘሎ።

ስለዚ እቲ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ሃገረ ስብከት ማእከል ምሁራትን ሊቃውንትን ክነሱ፥ ምስ እዞም ኣብ ኩሉ ዘየለዉ ረሲኣን ከም ህልዋት ገይሩ ክካታዕን ክጸሓሓፍን ምርኣይ ንሚዛኖም የጉድሎ እዩ። በጃኻትኩም እቲ ትምህርትኹምን ፍልጠትኩምን ከም ቀደምኩም ኣካፍሉና። ምስ መን ትዛረቡ ኣለኹም ኣይትፈልጡን ኣይንብልን፣ ወዲ ቤተ ክርስትያን ግን ይበርስ እዩ ዘሎ። ክሳድና ከም ነድንን እዮም ገይሮሙና። ሕሉፍ ሓሊፎም ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን መናፍቕ እያ፣ ፖፕ ሽኖዳ መናፍቕ እዮም፥ ኣቡነ መቃርዮስ መናፍቕ እዮም፥ ኮታ ብጀካ ትምህርቲ ሰንበት ኪዳነ ምሕረት ማይ ተመናይ፥ ኩሉ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብብ መናፍቕ እዩ። ኩሉ ብሆሆን ስምዒትን ቤላቤለውን እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ሎሚ መናፍቓን ካልእ ስብከት ኣየድልዮምን እዩ፥ ረኣይዎም መራሕትኹም እኹል ኣብነት እዩ ንኣኣቶም። እዞም ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዘሎኹም፣ ተጸባይኹም ብዙሕ እዩ’ሞ ካብዚ ትርኪምርኪ ጽሑፋትን ዘረባታትን ወጺእኩም ትምህርትኹም ኣካፍሉ። ምፍልላይ የብቅዕ ናይ ሰላም ኣዋጅ ይተኣወጅ። እዚ ናይ ሰላም ኣዋጅ ግን ብኣኻትኩም ጥራይ እዩ ክስማዕ ዝግባእ። ካብ በዓል ኣቡነ ሉቃስ፥ ሰላም ከምጽኡ ወይ ናብ ሰላም ክመርሑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ትጽቢት የለን። ነቶም ብመንፈስ ቅዱስ ዝወለድዎም ኣቦኦም ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ከይተረፈ፥ ኣፎም መሊኦም መናፍቕ ክብልዎም እዝንና ይሰምዕ ኣሎ። እዚ ድማ ጸሊኦም ዘይኮነ እቶም ዝዝውርዎም ጸጋ እግዚኣብሔር ዝረሓቖም ስለ ዝኾኑ እዮም። ከም ሰብ ክፉእን ተንኮለኛን ኣይኮኑን መራሕቶም እዮም ዘጋግይዎም ዘለዉ፣ ሕጂ ዘምጽእዎ ለውጢ ክህሉ እዩ ኢልካ ምዝራብ ይኸብድ እዩ፣ ግን ፍቓድ ኣምላኽ ኣይንፈልጥን። ስለዚ በጃኻትኩም ስለ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ኢልኩም፥ ንስኻትኩም ሕዋስ ዘይብሉ ጽሩይ ቃል ኣምላኽ መግቡና፣ ናይ ራድዮን ተለቭዥንን መደባት ሕሰቡ ቴክኖሎጂ ንኣኻትኩም ኣብ ቀረባ እዩ’ ሞ ንክቡር ቃል ኣምላኽ ተጠቐሙሉ።

ተስፋና፥ ኣምላኽ ብኣኻትኩም ኣቢሉ ነታ ቤተ ክርስትያን ከተንስኣ እዩ።

ወደሓንኩም ኣብ ደሓን ትረፉ።
ካብ ኣርድእት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ
ኮለጃት ማይነፍሒ።

 

ን’’መቓብር ሓርበኛታት” ተዳለዉ! መልእኽቲ ንሰብ ተርታ

ን’’መቓብር ሓርበኛታት” ተዳለዉ!
መልእኽቲ ንሰብ ተርታ


ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ 16 ጥሪ 2015

ab-tera-hijike-menከምቲ መዘንኡ ምስ ሞተ፡ ‘ሆእ! ሞት ገርገረት’ ዝበሎ ሞት ዘይስቆሮ ዝነበረ ሰብኣይ፣ ሕጂ’ምበኣር ኢያ ሞት መዛኑ ዝገርገረት። ኣንቱም ብደውኩም ዝጃጆኹም ሰራዊት ጎልያድ፡ ደጊም ሞት ንማዕጾ ገዛኹም ትኹሕኩሕ ኣላ’ሞ ተዳለዉላ። ኢሳይያስ ኣብ ዛዕጎሉ ባህ ንዘይበሎ መኮነን ገና ክቐዝፍ ኢዩ። እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ዕዮ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኤርትራዊ መንነት ንምጥፋእ ኢዩ። ኤርትራዊ መንነት ንምጥፋእ ከኣ፡ ቅድም ደረጃ ብደረጃ ንኤርትራውያን ከዳኽምን ከጥፍእን ስለዝነበሮ፡ እነሆ ብጋህዲ ይትግብሮ ኣሎ።

እቲ ብድሕሪ መጋረጃ ዝእለም ርክያሞ ህግደፍ፡ ኤርትራዊ ንያትን ኒሕን፡ ህዝባዊ ክብርታት፡ ወግዒታት እንዳባን ወርቃዊ ታሪኽን ንምቕባር ኢዩ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክትግብሮም ንዝመደቦም ጉዳያት፡ ንኤርትራውያን ከም ገረብ ብሓኽላ ብዘይ ዕንቅፋት ይጽልጽሎም ኣሎ።

ኢሉ ኢሉ ድማ፡ መሬት ኤርትራ በቶም ብልቡ ኣጸቢቑ
ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ
ደምህት ኣውሪስዎ ይርከብ። ንሳቶም ፈተሽቲ፡ ንሳቶም ኣሰርቲ …
መርመርቲን ቀተልቲን።
እዚ ከኣ ገበነኛ ውልቀ-መላኺ ኣዕዋፍ ጩቕ-ጩቕ ከይበላ ዝጀመሮ ዓሌት ናይ ምጽናት ወፍሪ ኢዩ። ኢሳይያስ ኣብ ማእከል ኤርትራውያን ኮይኑ ዘሽካዕለለን ሃገር ዝበታተነን ሓደገኛ ተኹላ ኢዩ። ኣንቱም ሰባት! ‘ገ እናበሉኻ’ዶ ትጋገ’ ከም ዝበሃል፡ ሰኣን ብትኽ! ሰኣን ንጣብ ሓሞትን እንኮ ዓረርን ህዝቢ ይጸንት ኣሎ’ሞ ሕጂ’ኸ ተራ መን ተረፈ! በሉ።

እዚ መርዛም ሰብ’ዚ ልኡኽ ባዕዳውያን እንተዘይነብር፡ ሎሚ ኤርትራ ሃገርና ብኹሉ መለክዒታታ ከምዚ ኣምበይምኾነትን። ንኤርትራ ብድሕሪ 24 ዓመታት እስከ ረኣዩዋ! ኤርትራ ትማሊን ሎሚን ንምግላጽ፡ ኣብ ሓጺር ግዜን ኣብ ጭራም ወረቐትን ዝጸሓፍ ኣይኮነን። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣገባብ ቅንጸላ ሰባት ካብ ተመኩሮ ሂትለር ኣጸቢቑ ተማሂሩ ኢዩ።

ንሰባት ብገበን ኣመኽኒኻ ምእሳርን ምጽጻይን፡ ንገለ ድማ ኣጸሊምካን ኣነዊርካን በብቑሩብ ከም ዝጠፍኡ ምግባር፤ ካብኡ ሓሊፉ ከኣ እቲ ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝሰርሓሉ ዝነበረን ገና’ውን ደቀባት ዘጽንተሉ ዘሎን ስዉርን ረቂቕን ኣቀታትላ ኢዩ። ካብ ነዊሕ ዓመታት ህዝቢ ዘየስተብሃለሉ “ብሃንደበታዊ ሕማም” ዝሓለፉ ዜጋታት ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ተጋደልቲ ነበር ማእለውያ የብሎምን።

ብጉዳይ “ሃንደበታዊ ሕማም” ሰባት ኣብ ሞት ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ኢዮም ሰጋእ ክብሉ ዝጀመሩ። ዓሊ ሰይድ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ደገ በጺሑ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ ግዜ፡ ኤርትራ ንዝነበራ ኣህጉራዊ ጸቕጢን ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎታትን ይነግሮ ከም ዝነበረ ይዕለል ነይሩ ኢዩ። እንተኾነ
ኢሳይያስ ስኽራንን ዕንደራን’ምበር ብዛዕባ ሕሰም ሃገርን ህዝቢን ክሰምዕ ይደሊ ስለዘይነበረ፡ ንዓሊ ሰይድ ቅድም ኢዱ ክሳብ ዝስበር ሃሪሙዎ ነበረ። ድሒሩ’ውን ሰላም ምእንቲ ክረክብ፡ ብመርዚ ንከጥፍኦ ኢዩ ወሲኑ። ዓሊ ሰይድ ሽዑ መዓልቲ ምስ ተጋደልቲ ሓለዋ ሰውራ ነበር ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ /ፍልፍል/ ኣብ ዝተገብረ በዓል ኢዩ ውዒሉ።

ኣጋ ምሸት ከም ልሙድ ኣስመራ ምስ ኣተወ ከኣ ኣብ ኤክስፖ ኣማሰየ። ንገዝኡ ፍርቂ ለይቲ ብምሉእ ጥዕንኡ ኢዩ ኣትዩ። ወጋሕታ ሰዓት 3፡30 ግን ብብርቱዕ ከም ዝሓመመን፡ ንበዓልቲ ቤቱ ጸባ ኣፍልሕለይ ከም ዝበላን ይፍለጥ። ብድሕሪ ሰዓት 4፡00 መመሊሱ እናገደዶ ምስ ከደ ከኣ፡ በዓልቲ ቤቱ ናብ ሆስፒታል ብህጹጽ ወሰደቶ። ኣብቲ ሆስፒታል ዶክተር ሃይለ ምሕጹን ካብ መደቀሲኡ ተጸዊዑ መጺኡ ይበሃል። ንሱ ጥራይ ኢዩ ከኣ ዝተቐበሎ፡ ንሳ ወይ ካልኦት ሰባት ንክኣትዉ ኣይተፈቕደሎምን። ንግሆ ድማ “ብሃንደበታዊ ሕማም” /ስትሮክ/ ከም ዝዓረፈ ብዜና ተነግረ።

ጉዳይ “ሃንደበታዊ ሕማም”፡ ኢሳይያስ ብኣዝዩ ረቂቕ ኣገባብ ዝጥቀመሉ፡ ሓደገኛ መርዚ ኢዩ። ቅድሚ ዓሊ ሰይድ ናብ በዓል ኮሎ. ሓድጉ ሃብረገርግሽ፡ /ኮምሬድ/ መሓመድ ስዒድ ባረህ ወ.ዘ.ተ. ዝተሰርሓሉን፡ ገና’ውን ዝቕጽል ዘሎን ኤርትራውያን ደቀባት ናይ ምጽጻይ ወፍሪ ኢዩ። እዚ ካሪክለም’ዚ ካብ 1970 ብቅንጸላ ኣብርሃም ተወልደ ኣብ ዓላ ዝጀመረ ኮይኑ፡ ኣብ 1973-1976 ከኣ ብኣልማማ ተራእየ። ብድሕሪ ናጽነት ካብ 1993 ኣድማ ተጋደልቲ፡ ዝቐጸለ ሕቶ ስንኩላን ተወሰኾ። እቶም ንመንገዱ፡ ንጉዕዞ ‘ትግራይ ትግርኚ’ ዘስግእዎ ዝነበሩ ገዳይም መሪሕነት ውድብ ህዝባዊ ግንባር ከኣ፡ ኣብ ባድመ መጋርያ ኲናት ኣጒዱ፡ ‘ተንበርከኽቲ’ ብዝብል ጸለመ፡ ኣብ ጎዳጉዲ ዒራ-ዒሮ ንዘለኣለም ኣሕቀቖም። ኢሳይያስ ብናጽነት ኤርትራ ተጣዒሱ ኢዩ። ደም ስዉኣት ኣብ ቅድሚኡ ከኣ፡ ደመ-ከልቢ ኢዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ኣላሽ ኣቢሉን ኣንበርኪኹን፡ ንኤርትራን ባሕራን ናብ ትግራይ ንምርካባ ኢዩ ዝሰርሕ ዝነበረን ዘሎን። እዚ ከይደቀስና ዝሓለምናዮ ጉዳይ ስለዝነበረ፡ መዓልታዊ ቅንጸላን ህላዌ ሰራዊት ደምህትን ይመስክር።

‘ጭሕሚ ብጻይካ ክላጸ፡ ንጭሕምኻ ማይ ልኸ!’ መልእኽቲ ነቶም ኣብ ሪጋ ሞት ተሰሪዖም ዘለዉ ሰብ ተርታ። ሎሚ’ውን ኢንፍዩዥን ረኺቡ ዕድመ እንተለቀበ፡ ነቶም ክጻብኡኒ ይኽእሉ ኢዮም ኢሉ ዝግምቶም በብሓደ ክቕርሞም ተዳልዩ ይርከብ። ኣብቲ ናይ ሻራይ-ሻራኻ ውጩን ፊሊጶስን ናይ ቲፎዞ ዓመታት፡ ጸግዒ ውጩ ዝነበርኩም ጀነራላት፡ ኮሎኔላት፡ ገዳይም ተጋደልቲ፡ ሰብ ሃብቲ ወይልኹም! ሞት ኣብ ቅድሜኹም ኮይና ትድብል ኣላ፡ ሎሚ ስለ ሂወትኩምን ዕድል ደቅኹምን ኣገዳሲ ስጉምቲ እንተዘይወሲድኩም፡ ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ከምዞም ደድሕሪ ውጩ ዝስዕቡ ዝነበሩ፡ ድሕሪ ወዲ ሊቀ ብተርታ ክትስዕቡ ኢኹም። ኢሳይያስ ንኤርትራውያን ብገንዘብን ሽመትን ምትላል ውዒሉ ዝሓደረሉ ሰባብ ጥበብ ስለዝኾነ፡ እከይ ተግባራቱ ኣይዓርፍን ኢዩ።

ኣብ ዝኾነ ኣገዳሲ መድረኽ ምስ ዝሰርሑሉ ሰባት ግዚያዊ ኪዳን ኢዩ ዝገብር። ንኣብነት ኣብቲ ተዋጢሩሉ ዝነበረ ናይ 1973 ምንቅስቓስ፡ ነቶም ቀንዲ ዝደልዮም ሰባት ንምእሳር፡ ምስ ሰለሞን ወልደማርያም ዘይቅዱስ ኪዳን ገበረ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ነቶም ሕቶ ዲሞክራሲ ዘበገሱ ደቂ ህዝቢ ብዘይካ ሰለሞን ወ/ማርያም ዝኣስረሉ ሰብ ኣይነበረን። ኮነ ድማ፡ ሰለሞን ወ/ማርያም ንሙሴ ተስፋሚካኤልን ንመብራህቱ ወልዱን ብዕለት 01 ለካቲት 1974 ዓ.ም. ሰዓት 5፡30 ድ.ቀ. ኣዳህሊሉ ኣሰሮም።

‘ወይልኻ ጣላ ብዕራይ ምስ ተረፍካ ዳሕራይ’ ከም ዝበሃል፡ ኣንቱም ኣብ ቅድሚ መልኣከ- ሞት ተኾዲምኩም ዘለኹም መኮንናት ህግደፍ! ታሪኽ ይድገም ኣሎ። ሎሚ’ውን ነቲ ዘስግእዎ ሰባት ክኣስረሉ ዝኽእል ንሜ/ጀ ፊሊጶስ ወደዮሃንስ በትረ-ስልጣን ሂቡ፡ ከም ሃዳናይ ከልቢ ቾብላ! ኢሉዎ ኣሎ። ፊሊጶስ ኣብ መንጎኡን ሜ/ጀ ውጩን ንዝነበረ ጸሊም ጽልኢ ተጠቒሙ፡ ነቶም ኣብ ግዜ ውድድር ጸግዒ ውጩ ዝነበሩ መኮንናት ብኣልማማ ይኣስሮምን የደስክሎምን ኣሎ። ኢሳይያስ ከኣ ተተቐቢሉ ብመርዚ ይቐትሎም።

ኪዳን ኢሳይያስን ፊሊጶስን ድማ ግዝያዊ’ምበር ነባሪ ኣይኮነን። ኣብ ስርዓት ኢሳይያስ ንሰባት ከም ስሪንጋ ሓንሳብ ተጠቒምካ ምድርባይ ኢዩ። ኢሳይያስ ትንፋስ እንተረኹቡ፡ ንፊሊጶስ’ውን ብ “ብሃንደበታዊ ሕማም”፡ ብሓደጋ መኪና ወይ ብሓደጋ ሄሊኮፕተር፡ ከምቶም

ዝጠፍኡ ዘለዉ መጋድልቱ ከጥፍኦ ኢዩ። ኢድ ሸናሒት፡ ጸናሒት ስለዝኾነ፣ ንግዜ ዝግደፍ ጉዳይ ኢዩ። እምበኣርከስ ሞት ንወዲ ሰብ ንቡር ኢዩ። ኣማውታ’ውን ብዙሕ’ዩ ዓይነቱ። ካብ መዓልቲ ናጽነት 1991 ክሳብ ሎሚ ዝዓረፉ ተጋደልቲ፡ መቓብሮም ይቑጸሮም።

ኣብቲ መቓብር ሓርበኛታት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ጥበራ ጉድጓድ ዝተቐብረ ገዲም ተጋዳላይ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ። ካብቶም ኣብዘን ክልተ ዓመታት ጥራይ (2013 ክሳብ 2014) ብ”ሃንደበታዊ ሕማም” ዝተቐብሩ ገዳይም ሓለፍቲ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፤

  1. ኣስመራ 3 ጥሪ 2013 ተጋ. ሑሴን ዑመር ሻህርያ

  2. ኣስመራ 2 ለካቲት 2013 ኮ/ል ዓብዱራሕማን ማሕሙድ ጃስር

  3. ኣስመራ 8 ግንቦት 2013 ተጋ. መሓመድ እድሪስ ጥሉል

  4. ኣስመራ 1 ሰነ 2013 ተጋ. ኮ/ል ስዩም ሃብተማርያም /ላጅኢን/

  5. ኣስመራ 18 ሰነ 2013 ተጋ. መሓመድ ዑመር ሱባ

  6. ኣስመራ 15 ሓምለ 2013 ተጋ. ኮ/ል መሓመድ ስዒድ ሳልሕ

  7. ኣስመራ 04 ነሓሰ 2013 ሚኒስተር ወልደሚካኤል ገብረማርያም
  8. ኣስመራ 22 ጥቅምቲ 2013 ኮ/ል ኣሕመድ ዑስማን መሓመድ

  9. ኣስመራ 11 ታሕሳስ 2013 ተጋ. ምሕረትኣብ ተስፋጊዮርጊስ
  10. ኣስመራ 17 ጥሪ 2014 ኮ/ል ኣማንዝጊ ጋርዛ

  11. ባጽዕ 07 ለካቲት 2014 ኮ/ል ኢብራሂም ኣሕመድ ዓሊ
  12. ኣስመራ 24 ለካቲት ኮ/ል ዘርእዝጊ መንግስቱ

  13. ኣስመራ 06 መጋቢት 2014 ሜ/ጀ ገረዝግሄር ዓንደማርያም ውጩ
  14. ኣስመራ 21 መጋቢት ብ/ጀ መብራህቱ ተኽለኣብ /ቫይናክ/
  15. ኣስመራ 21 መጋቢት ብ/ጀ ኣማኑኤል ሃይለ /ሃንጀማ/

  16. ኣስመራ 21 መጋቢት ገዲም ተጋ. ደሱ ተስፋጽዮን

  17. ኣስመራ 17 ግንቦት 2014 ገዲም ተጋ. የማነ ተወልደ /ወዲ ማማ/
  18. ኣስመራ 28 ግንቦት 2014 ገዲም ተጋ. ኣማኑኤል ገብረስላሴ
  19. ኣስመራ 21 ሰነ ኮ/ል ኪዳነ ምዒተልካ

  20. ኣስመራ 29 ሰነ 2014 ኣቶ ነጋሽ በረኸትኣብ

  21. ከረን 01 ሓምለ 2014 ኮሎ. ትንሳኤው ሃይለ

  22. ኣስመራ 04 ሓምለ 2014 ኮሎ. በረኸት ተስፋጽዮን /ወሎ/

  23. ኣስመራ 07 ሓምለ 2014 ተጋ. ግርማይ ተስፋጽዮን /ብሬን/
  24. ኣስመራ 18 ሕዳር 2014 ተጋ. ጸጋይ ካሕሳይ

  25. ኣስመራ 07 ጥሪ 2015 ለ/ኮ ገረዝግሄር ኣስመላሽ

  26. ኣስመራ 15 ጥሪ 2015 ብ/ጀ ገብረሂወት ዘሚካኤል /ወዲ ሊቀ/

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

ለይቲ ኤርትራ ክወግሕ’ዩ!!

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ካብ ህዝቢ ዝቐርበሉ ዘሎ መጻዋዕታ ብምፍራሕ ነቲ ዝመሓላለፎ ናይ ታዕሊም መጸዋእታ ሰሪዝዎ

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ካብ ህዝቢ ዝቐርበሉ ዘሎ መጻዋዕታ ብምፍራሕ ነቲ ዝመሓላለፎ ናይ ታዕሊም መጸዋእታ ሰሪዝዎ

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ኩሎም ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ዕለታዊ ናብርኦም ወንዚፎም ንዕለት 3 ጥሪ 2015 ናብ ዝተፈላለዩ መደበራት ታዕሊም ክወርዱ ዘመሓላልፎ መጻዋዕታ: ነቲ ካብ ህዝቢ ዝቐርበሉ ዘሎ ኣብያ ብምፍራሕ፡ ነቲ መጸዋዕታ ከም ዝሰረዞ ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ሓቢሮም።

ከም ዝዝከር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ነቶም ብኣስገዳድ ብረት ኣሕንጊጥዎም ዘለዎ ኤርትራውያን ኣቦታት ናብ መደበር ታዕሊም ክወርዱ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2014 ኣትሒዙ ብተደጋጋሚ ጸዊዑ እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ብሕሰም ዕለታዊ መንባብሮን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ተዋሪዱ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ናይ ቃል ተቓውሞ ሰጊሩ ናብ ግብራዊ ተቓውሞ ብምስግጋር ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ጻዊዒት ጸማም እዝኒ ብምሃብ ብተደጋጋሚ የበርዕኖ ከም ዘሎ ዝሓበሩ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት፡ እዚ ዘሎ ህዝባዊ ተቃውሞ ከምዚ ዘለዎ እንተ ድኣ ቀጺሉ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሓድሽ ዓመት ኣብ ኤርትራ ምልኪ ዘይጽረገሉ መኽንያት የሎን ብምባል፡ ህዝቢ ንሓርነታዊ መሰላቱ ንምውሓስ ቃልሱ ከደንፍዕ ኣዘካኺሮም።

ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት፡ ብ ኣብ ኤርትራን ካብ ኤርትራ ወጻእን ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝካየድ ፕሮጀክት ኮይኑ: ነቲ ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ብምትእስሳር ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምንጋስ ዝሰርሕ ፕሮጀክት‘ዩ።

02-ጥሪ 2015
ፕሮጀክት ዓርቢ -ሓርነት

ጸብጻብ ኣባዓዕላ ሓድሽ ዓመት – 2015- ኣብ ቤር ኤርያ ካሊፎርንያ

ጸብጻብ ኣባዓዕላ ሓድሽ ዓመት – 2015- ኣብ ቤር ኤርያ ካሊፎርንያ

ኣብ ቤይ ኤርያ ካሊፎርንያ ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ንሓድሽ ዓመት ብኽብ ዝበለ ጽንብል ተቐቢሎማ። እቲ ናይ ምዝንጋዕ መደብ በቲ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ቤይ ኤርያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ንኹሉም ኣብዚ ከባቢ ዝርከቡ ናይ ልወጢ ሓይልታት ሓቁፉ ዝንቀሳቀስ ዘሎ ማሕበር ዝተዳለወ መድብ ‘ዩ ነይሩ።

PDF: ምሉእ ትሕስቶ… 2015 NewYear Celebration Oakland Final

ንጭዋ ውዕሎን ዉሳኔታትን ህጹጽ ኣኼባ ኤሃባደለ ምምጓስ ደገፍና ንሙዑት ሓርነታዊ ሰራዊት/ድግሓኤ-ደውዓቀባ ን2015 ዓመት ዝምልከት ሰናይ ሚንዮትና ንገልጽ።

ንጭዋ ውዕሎን ዉሳኔታትን ህጹጽ ኣኼባ ኤሃባደለ ምምጓስ
ደገፍና ንሙዑት ሓርነታዊ ሰራዊት/ድግሓኤ-ደውዓቀባ
ን2015 ዓመት ዝምልከት ሰናይ ሚንዮትና ንገልጽ።

ደሞክራስያዊ ወድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ።

ፋሽስታዊ መንግስቲ ህግደፍ፣ ህዝብታትናን ሃገርናን ጨዊዩ ዘይውዳእ መዓትን ጥፍኣትን ይወርድ ከም ዘሎ ኩሉ ወዲ ሃገርን ዓለምን ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ። ነዚ ብዝቐልጠፈ ግዜ ደው ኣቢልና ሃገርን ህዝብን ክነድሕን ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት ሙዃኑ ዝዝንጋዕ ጾር ኣይኮነን። ኣብ ደንበ ተቓዉሞ ዘለና መድረኽ ዝጠልቦ ሓላፍነትዊ ስራሓት ንሰርሕ ከም ዘየሎና ኩሉ ብጉዳይ ህዝብን ሃገርን ዝግደስ ዝዛረበሉ ሓቂ’ዩ። ቀዳማይን ካልኣይን ግርጭት ተዘባሪቑ ንጸላኢና ክውዕል ዝግብኦ ሓይሊ ናብ ነንሕድሕድና ኣቅኒዕና ነባዅኖ ጸኒሕና። እዚ መድረኽ ክስገር ናይ ህዝቢ ርእይቶን ድልየትን ነቐፈታን ቀሪቡ።

ነዚ ኣዓዋቲ ዕላማ ከትግብሩ ትጽቢት ዝተገብረሎም ኣብ ዝሓለፈ ሶሙናት ዝተጋብኡ ኣባላት ባይቶ ካብ ዕለት 15 ክሳብ 20 ታሕሳስ 2014 ኣብ ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ህዝቢ ኤርትራ ከም ትርግታ ልቡ ክከታተሎ ከም ዝጸንሐ ካኣ ንኩሉ ብሩህ’ዩ። ሕሉፍ ተሞክሮታትና ሪኢና ኣኼባ ባይቶ ብዘይ ፍረ ከይወጽእ ከኣ ዓቢ ስግእት ኔርና።

ህጹጽ ኣኼባ ኤሃባደለ “ንኩሉ ዕንቅፋታት ብምውጋድ፡ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ከነዓወት ኢና!!”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭርሖ፡ ብወግዒ ስርሑ ካብ ምጅማሩ ኣትሒዙ በብግዝዩኡ ዝወጹ ዝነበሩ መግለጽታት እዛ ሃገር እባ ሰብ ኣለዋ ክንብል ክኢልና። ከም ሓንቲ ገረብ ብንፋስ ተዲፊኣ ክሳብ መሬት ትስዕም፣ ንፋስ ህድእ ምስ በለ ድማ ደው (ትኽል) ትብል ህጹጽ ኣኼባ ኤሃባደለ’ውን ብግብሪ ”ክንብል በለ እንበር ኣይተኻዕወን” ምስ በሉና ዳርጋ ሓርነት ዝረኤና ክይኑ ተሰሚዕና። እዞም ተጋባእቲ ኣብ’ዚ ጽንኩር ግዜ ታሪኽ ፈጺሞም። ነዚ ሰናይ ጅማሮ ንመንገዲ ዓወት፣ ደሞክራስያዊ ወድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ የመጉስ። ሕጂ’ውን ጉድለታት ኣይክረኤን’ዩ ዝብል እምነት የብልናን እንተኾነ እዚ ናይ ወለድና ኣገባብ ምክብባር ምጽዉዋር ምትሕልላይ መሰል ኩሉ ኣብ ግምት ወሲድካ ምስራሕ ምስ ዝዕንብብ ዝስዕረና ሓይሊ ሰብ የሎን። እዚ ክቅጽልን ክዕንብብ ከኣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ደላይ ለውጢ ሓላፍነት ስለ ዝኾነ ግቡእና ክንገብር በዚ ሰናይ ኣጋጣሚ`ዚ ነዘኻኽር።

እዚ ዓመት 2014 ማእሰርትን ቁስልን ስደትን ሞትን ኣኳ እንተለዎ ማዕሪኡ’ውን ዓበይቲ ዓወታት ዝተራእየሉ ዓመት’ዩ።

ካብ ካቶሊካዊ ቤተክርስታይን፣ ብሓሙሽተ ጳጳሳት ”ኣበይ ኣሎ ሓውኻ” ብዝብል ጎዲልና ዘሎ ክማልእ ሓላፍነት ህዝብን መንግስትን ከም ዝኾነ ዝገልጽ ተሪር ወግዓዊ ጽሑፍ ወጺአ፣ ካብ ቤትክርስታያን ተዋህዶ፣ ካብ መንበረ ጵጵስና ወጻኢ ዝተኸታተለ ጽሑፋትን ስብከትን ንሰሚዕ ጸኒሕና፣ ኣብ’ዚ ዓመት ግን ሓምሽተ ገዳማት ኤርትራ ብቐጥታ ነቶም ገብርቲ እከይ ዝብልዎም ዝኹንን ጽሑፍ ምውጹኡ ዓቢ ዓወት ኔይሩ።

ሃይማኖት ኣስላም”ውን ብድረጃ መፍቲ ዝወጽአ ጽሑፍ እኳ የሎን እንበር ካብ 1991 ዓ.ም ብዓበይቲ ሽማግሌታትን ሸኻትን ነዚ ስርዓት ዝኹንን ነቢብናንና፣ ናይ ቦሎኛ ሰላማዊ ሰልፊ ህግደፍ ንኤውሮጳ ክቀብጻን ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ክቃላዕ ብዓቢ ቃጭል ዝተንብሄ ፍጻሜ`ዩ ኔይሩ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ሰብኣዊ መሰላት ባይቶ በብመድረኹ ዝወስዶ ዘሎ መርገጽ ፖሎቲካ፣ብቀንዱ ድማ መርማሪት ኮምሽን (commission of inquari) ክትቆውም ምውሳኑ ነቶም ኣብ’ዚ እተክሮም ዝሰርሑ ጎረባብትን፣ ንኩሉ ደላይ ለውጥን ዝሕጉስ ብስራት`ዩ፣ ዝረኤን ዘይርኤን ኣብ ዉሽጥን ደገን ዝኽየድ ተቓዉሞ፣ ኣብ ኩሉ ሃገራት ዝኸይድ ኣኼባታትን ሰሚናራትን ሰላማዊ ሰልፍታትን፣ብሚድያ ጽሑፋትን መጽሄታትን ዌባትን ሬድዮታትን ፓል ቶካትን፣ ተደደማሚሩ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ንቅሓት ህዝብና ክብ ኣቢልዎ ኣሎ። ንቀዳማይን ካልኣይ ግርጭታት እናፈለናን ብምክብባር ብምጽዉዋር ብምትሕልላይ መሰል ኩሉ ብምሓልውን ክሳብ ዓወት ክንምርሽ በዚ ሓዲስ ዓመት ደሞክራስያዊ ወድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ፣ ለበዋና ነመሓልልፍ።

ካብ ኩሉ እቲ ኩሉ ህዝብና ዝጽበዮ ዝነበረ ስመረት ወተሃደራዊ ክንፊ’ዩ። ነዚ ስመረት ኣሃዱታት ብዓወት ዘበሰሩና ጀጋኑ ኣሃዱታት ደሞክራስያዊ ግንባራት ሓድነት ኤርትራን ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ዘይተቆጠበ ደግፍና ንገልጽ። ኻልኦት’ውን ቅልጽሞም ኣብ ሓደ ሃገራዊ ዲሞክራስትያን ግንባር ከስምሩ በዚ ኣጋጣሚ ንጽዉዕ።

ዓወት ካብ ስሙር ሓይልታት ከም ዝምንጩ እምነትና’ዩ። እቲ ብመተከል ዝመሳሰል ኣብ ሓደ ግንባር ክመጽእ መድረኽ ዝሓቶ ሓቂ’ዩ። ደሞክራስያዊ ወድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ’ውን እቶም ብብሄራዊ መንገዲ ዘተወደቡን መሰል ብሄራት ዝኣምኑንን ሕበረ ብሄርዊ ዲሞክራስያዊ ውድባት ኣብ ትሕቲ ሓደ ግንባር ክጥርነፉ ደጋጊምና ንጽውዕ። ንሕና ብዘይቅድመ ኵነት ኩሉ ዓቅምና ዘፍቅዶ ክነወፊ ድልዋት ምዃና ንገልጽ።

ንመድረኻዊ ሕቶ ዝመለሰ ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ እናመጎስና ነዚ ናብ 2ይ ጉባኤ ዝወስድ መንገዲ ከም ኣብነት፣ ንውሳኔታቱ ከም መደብ ስራሕ ክንወስድ ንላቦ። ንክብርታትና ክንመልስ ክተት ንብል።

ኣብ መጨረሻ ድማ ንመንግስትን ንህዝብታት ኢትዮጵያን እዚ ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክትግበር ንዝሓገዙና ነመጉሶም። ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ክሕሎ ዝግበርዎ ጻዕርታት ክሳብ ዓወት ክኸዱ ዝምድናና ንረብሓ ክልተ ህዝብታት ብማዕረ ኮይኑ ሰላምን ርግኣትን ምዕባሌን ከባቢና ክነጽንዕ ንምኔ።

ውድቀት ንፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ!!
ዓወት ንሓርነታዊ ቓልሲ ህዝብታት ኤርትራ!!
ደሞክራስያዊ ወድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ።
30/12/2014