ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቤቱ ይባረር፥ ኣባ ሉቃስ ኣብ ሆቴላት ኤውሮጳ ይዕንድሩ

ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኹ ርእይዎን ሰሚዕዎን  ዘይፈልጥ፥ ንኽትሰምዖ ዘደንጹን ዘስካሕክሕን ከቢድ ዝኾነ ፈተናታትን ስቓይን የሕልፍ ኣሎ። እዚ ድማ ብተደጋጋሚ ከም ዝተገልጸ፥ መርገም ናይዞም፥ ኣቦ ክኾኑና ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ዝተዋህቡና ወዲ 90 ዓመት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን፥ ስቓይ እቶም  ብዘይፍርድን ሕግን ኣብ ጎዳጉድን ሸላታትን ዝነብዑ ዘለዉ ንጹሃት ዜጋታት፥ ንብዓት እተን ብዘይፍትሕ ዝማእመና፥ ዝኽትምና እቶም ብዘይመርድእ ኣቦኦም ዝነብሩ ዘለዉ ገጽ ኣቦኦም ዘይጸገቡ ንጹሃት ህጻናት ። ድኻም እቲ ወዲ ወዱ ዝሕንግር ዘሎን ቀባሪን ኮዓቲ ጉድጓድ ዘይብሉ ዝተረፈ ሽማግለ ኣቦ፥ ሓዘን እታ ሰበይቲ ወዳ ክትእብድ እትውዕልን፥ ገጽ ወዳ ዝሰኣነት ኣደን፥ ኮታ ክንደይ ኢልካ እሞ ክጽብጸብ ዘይቆረረት ስድራ፥ ዘይናፈቐት ሓፍትን፥ ገረውረው ዝበለ ካንሸሎ፥ ቆጺርካ ዝውዳእ ኣይኮነን።

ሕዝቢ ኤርትራ ብመራሕቲ ፖለቲካን ብመራሕቲ ሃይማኖትን ተጠሊሙ፥ ጉድጓድ ክፍሕር ይነብር ኣሎ።

እዚ ኩሉ ጸገምን ኣደራዕን ከብቅዕ፥ ካልእ እንተ ተረፈ፥ ኣብቲ እዉጅን ፍሉጥን እዋን-ሱባኤ ጾም ኣርብዓ፥ ካብ ጳጳሳት ጀሚሮም ኩሎም መነኮሳት ኣብ በዓትታትን ገዳማትን ሱባኤታትን ዝዕጸዉሉ፥ ካህናት ብቕዳሴን ብጸሎትን መስዋእቲ ዘዕርጉሉ፥ ምእመን ኩሉ ምሕረት ዝልምነሉ እዋን እዩ።  እዚ ኣብ እንጽበየሉ እዋን እዩ ድማ፥  ናይ ፖለቲከኛታት ልኡኽ ጉጅለ ብስም ሃይማኖት፥ በቶም ነጹርን ግሉጽን ክሕደት እግዚኣብሔር ዘለዎም ኣባ ሉቃስ እናተመርሐ፥ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዓዲ ዓዲ ሸናዕ ዝብል ዘሎ።

እዚ ኩሉ ጉያን  ዓበድበድን ኣብ ጾም ኣርብዓ ናይ ኣባ ሉቃስ ሓደ ነገር ንምርካብ እዩ። ንሳ ድማ ስልጣን ፓትርያርክ ዓቃቢ መንበር ፓትርያርክን ንምርካብ እዩ።  እዚ ስልጣ እዚ ካብ እቲ ንቓሉ ርኹስ ዝበልዎ ሕያው ኣምላኽ ዘይኮነስ፥ ካብቶም ለኣኽቶም ፖለቲከኛታት ክብርን ስልጣንን ንምርካብ እዩ።

ኣባ ሉቃስ እዚ ኩሉ ገበን ዝፍጽሙ ዘለዉ፥ ዓገብ ዝብል ስለ ዝወሓደ፥ ኣጣቓዕቲ ስለ ዝረኸቡን፥ ኣነ ይንበር እምበር ናይ ካልእ እንታይ ገደሰኒ ዝብል ስለ ዝበዝሐን እዮም። ሃይማኖትና ተደፊሩ፥ ፓትርያርክና ተኣሲሮም፥ ንሕና ምስ መስቀልና ተሰከምቲ ብረት ገይሮሙና፥ ኢሎም ሞት ተሳጊሮም ዝመጹ፥ ኣብ ዝተዓቖቡለን ሃገራት ብሰንኪ እምነትናን መዓርግናን ፈተና በጺሕና ኢሎም ነቢዖም ዑቕባ ዝሓተቱን ካህናትን ዲያቆናትን፥ ነቶም ትማሊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ከውሊ ገይሮም መረበት ዓደቦኦም ዘስኣንዎም በዓል ኣባ ሉቃስ ከም ንህቢ ዓሲሎሞም ክትርኢ ከሎኻ ነብስካ ትምንን። ብፍላይ ኣብዚ ኣብ ኤውሮጳ ታቦት ሃቡና ጥራይ እምበር ኣብዚ ኮንና ክንግብረልኩም ኢና ኢሎም፥ ኢድ ክነስኡን፥ ብኢድ እዞም ፍጹም ኣምላኽ ዝኸሓዱ ቆቢዕ ጵጵስና ዝለበሱ፥ ብውግዘት ስላሴ ዝተኣስሩ፥ ተባሪኾም ክቕበሉ ክትርኢ፥ ምእማኑ እዩ ዘጸግመካ። እምበርዶ ፍጡራት ሰባት እዮም? ዝብል ሕቶ ይቕረበካ። ሕዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ፥ ፍልጠት ስለ ዝኣበኻ ኣነ ድማ ካህን ከይትኾነኒ ክኣብየካ እየ። ሕጊ ኣምላኽ ስለ ዝረሳዕካ ኣነ ድማ ንደቅኻ ክርስዖም እየ።” ሆሴእ። ብመጠን እቲ ምብዝሓኦም ኣብዚሖም በደሉኒ፥ ኣነ ንኽብረቶም ናብ ነውሪ ክልውጦ እየ። ሓጢኣት ሕዝበይ ይቕለቡ፥ ልቦም ድማ ናብ ኣበሳኦም የድህብ ኣሎ። እቲ ካህን ከኣ ከም ህዝቢ ክኸውን እዩ። ኣነ ድማ ብሰሪ ኣካይዳኦም ክቐጽዖም፥ ግብሮምውን ክመልሰሎም እየ። ንእግዚኣብሔር ምስዓብ ሓዲጎም እዮም እሞ፥ ይበልዑ ኣይጸግቡን፥ ይምንዝሩ ኣይበዝሑን።” ሆሴእ 4:6-10።

ኣባ ሉቃስ ኣብ ውግእ ኢትዮ-ኤርትራ ቤተ ክርስቲያን ዓዲ ቀይሕ ብነፋሪት ተሃሪሙ ኣብ ቅድሚ ተለቭዥን ቀሪቦም ክበኽዩ ተራእዮም እዮም። ከመይሲ ኣብ ሓደ ጊዜ ናይ ምምሓልን ምንባዕን ባህርይ ዘለዎም ንኽነብሩን ክኸብሩን ክብሪ ኣምላኽውን ዘይግድሶም እዮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ክርስቲያናት፥ ቤቶም ፈሪሱ ስእነትን ሽግርን ደቆም ሒዞም ኣብ በረካን ጎልጎልን ዝጎሓፉሉ ዘለዉ እዋን ጾም ኣርብዓ፥ ኣብ ኤውሮጳ ፈቐዳ ሆቴላት ምስ ኤምባስታት መንግስትን ምስቶም ሕልናኦም ዝሸጡ ካህናትን ኣኼባታት የካይዱ ኣለዉ። ሕሉፍ ሓሊፎም 21 መጋቢት 2015 (12 መጋቢት 2007 ግእዝ) ምስቶም ንኣና ይጥዓመና እምበር ናይ ካልኦት እንታይ ገደሰና ዝብል ውሳኔ ዝመረጹ፥ ካህናትን ዲያቆናትን፥ ኣብ ዓዲ ጥልያን ኣኼባ ክገብሩ ይሻባሸቡ ኣለዉ። ብምትላል ዝመጽእ ምዕባለ ድማ የለን።

ሕዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፥ ሕዝቢ ተዋህዶ ድማ ብፍላይ ነዞም ኣቦና ኣሲሮምን ኣጥፍኦምን ኣቦኹም እየ ዝብሉና ዘለዉ፥ ኣባ ሉቃስን ሰዓብቶምን ዝሓተሉ እዋን ክህሉ እዩ። ንእኦም ጸሓይ ትዓርቦም ኣላ፥ ነቶም ውጹዓት ግን ጸሓይ ናብ ምብራቓ እያ። “ንዳሕራይኪ ተስፋ ኣሎኪ፥ ደቅኺውን ናብ ዶቦም ክምለሱ እዮም” ኤርም። 31:17

ኣባ ሉቃስን መሰልቶምን፥ ንዝኸሓድዎ ኣምላኽ ይቕረታ ሓቲቶም ሱባኤ ኣትዮም ክንስሑ፥ ኣብ ጉድጓድ ንዘእሰርዎም ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስን ካህናትን፥ ደቆምን ኣንስቶምን ይቕረታ ክሓቱ፥ ጊዜ ዘለዎም እመስለኒ።

 

ዘንስር ዮሓንስ።

 

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.