Eritrea most censored country

The country holding the journalist Dawit Isaak imprisoned peaks Committee to Protect Journalists (CPJ) annual list.

On the second- and third place on the list, North Korea and Saudi Arabia. Eritrea is the hardest country in Africa against journalists; at least 23 imprisoned without trial. Only state media are allowed to work with the news.

CPJ’s annual report ”Attacks on the Press” is released on Monday 27 April.

ኣዋድቓ ፈረስ !

ኣዋድቓ ፈረስ !
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/
22 ሚያዝያ 2015

ኣዋድቓ ፈረስ ንሓደስቲ ወለዶና ጋሻ ዝኾነ ቃል ኢዩ። እዚ ቃል እዚ ክልተ ተበኣስቲ ወይ ክልተ ኣብ ሓያል ቅልስ ዝተጸምዱ ሰባት ወይ ጉጅለታት ክልቲኦም ብማዕረ ክወድቁ እንከለዉ ዝበሃል ቃል ኢዩ። ንህሉው ኩነታትና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነዚ ቃል እዚ ፖለቲካዊ ጥምቀት ከጠምቖ ደልየ። ንጉዳይ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን መግዛእቲ ጨካን ኢሳይያስን ኣመልኪተ ድማ፡ ውጽኢት እዚ ናይ ክልተ ተቐናቐንቲ ወገናት ኣዋድቓ ፈረስ ክብሎ መሪጸ። ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ነቲ ካብ ነዊሕ መዋእል “መግዛእቲ ቱርኪ” እናበለ ንምረት ሂወት ዝጥቀመሉ ዝነበረ ሓረግ፡ “መግዛእቲ ኢሳይያስ” ብዝብላ ቃላት ቀይሩዎ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መዋእሉ፡ ካብ ግዝኣት ቱርኪ ክሳብ ግዝኣተ-መንግስቱ ሃይለማርያም፣ ከም መግዛእቲ ኢሳይያስ ዝኸፍእ ስርዓት ርእዩ ኣይፈልጥን ኢዩ።

ገበነኛ ኢሳይያስ ህዝቢ ኤርትራ ንምንብርካኽ፡ ንሓዋሩ ኣላሽ ንምባሉን ኣሎ ዝበሃል ክእለቱን ጥበቡን ተጠቒሙሉ ኢዩ። ብሰንኪ እቲ ግናይ ጥጅእ፡ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ስደት፡ መሸጣ ኩሊት ሲናይ፡ ቀለብ ዓሳታት ባሕሪ ጥራይ ከይኣክል፣ ሕጂ ከኣ ከምዚ ሎሚ ኣብ ዜና ዝሰማዕናዮ፣ ግዳይ ማሕረዲ ኣይሲስ /ISIS/ ንምዃን ጀሚሩ ኣሎ። እቲ ቀደም ኣብ ውሻጠ ጃንሆይ ብጌሶን ቡቕሊን ዝተጠጅአ ውራይ ኢሳይያስ፡ ንኤርትራን ህዝባን ናብ ዕዳጋ ሓራጅ ንምውራድ ኢዩ ነይሩ ዕላምኡ። ከምቲ ኣብ ዕዳጋ ሓራጅ ሱዳን “መርሑም ገድረክ” እናበሉ ክዳውንቲ ዝሸጡ ነጋዶ፡ ገበነኛ ኢሳይያስ እውን ኤርትራ ንምሕራጅ ድሕር ዝብለሉ ጉዳይ የለን።

ምህዳም ህዝቢ ጥራይ ከይኣክል ከኣ፡ ብርሃነ ዝተባህለ ወዱ ዝሃድመሉ ግዜ ብምርኣይና፡ ዝሓንጸጾ እከይ ካሪክለም ኣብ እዋኑ ክዕወተሉ ከምዘይከኣለ ተገንዚብና ኣለና። ስለዝኾነ ኢዩ ብመንጫዕጫዕታ ብላክን ብሉ ለበልን እናተሓጽበ ኣብ ከቢድ ጭንቀት ዝርከብ ዘሎ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ፡ ብድሕሪ ምርሻም ስንኩላን ማይ ሓባርን ምእሳር’ቶም ኣርካናት ገድሊ ዝነበሩ ጉጅለ 15ን፡ ንኢሳይያስ ምውዳቕ ኣንቃዕሪርካ ዘይድየብ ከውሒ “ኢትሰመ” ኮይኑዎ ይርከብ።

ከምቲ ንጉስ ፎርዖን ንህዝቢ እስራኤል ናጻ ዘውጽእ ወዲ ንከይዓቢ፡ ዘዝተወልዱ ኣወዳት ሕጻናት ይቀንጸሉ ዝበለ፡ ኢሳይያስ እውን ንህዝቢ ኤርትራ ሓራ ዘውጽእ ወደባት ከይህሉ ኣጸቢቑ ኢዩ ብጥንቃቐ ሰሪሑሉ። ኢሳይያስ፡ ከም ኮብራ ተመን ሕሱም መርዘኛ ተናኻሲ ኢዩ። ንኤርትራዊ ሰብ ድማ፤ ብሃብቱን ድኽነቱን፡ ብትምህርቱን ፍልጠቱን፡ ብሓይሉን ድኻሙን፡ ብደርቡን ማሕበራዊ ቦትኡን ወ.ዘ.ተ… ኣይንዕቕን ኢዩ። ስኑ ነኺሱ ብጥንቃቐ ስለ ዝርኢ ኢዩ ከኣ ኩሉ ግዜ ኣብ ስጉምቲ ምውሳድ ቀዳማይ ሪጋ ዝሕዝ ዝነበረ።

ክንዲ ዝኾነ ኢዩ፡ ካብ መጀመርያ ሰብዓታት ክሳብ ናጽነት ክሳውዲ ምሁራት ኤርትራውያን እናቆረጸ ዝመጽእ ዝነበረ። ከምቲ ውሩይ ደራሲ በዓሉ ግርማ “ኦሮማይ” ዝበሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ካብ 1973 ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዝተሓርደ ምስ ተሓርደ፡ ‘ኦሮማይ’ ኮይኑ መዝሙሩ። ‘ኣሓ ምስ ሓራዲአን፡ ማይ ይሰትያ’ ከም ዝበሃል፡ እቶም ኣሕዋቶም እናጠፍኡ ኣዒንቶም ዝኸወሉ በብመዓልቶም ተሳሂልዎም ኢዩ። ኣብ ግዜ ናጽነት እውን ባህጊ ኤራውያን ንሰላምን ዲሞክራሲን ምንባሩ እኹል ተመኩሮ ወሲዱሉ ኢዩ።

ኣብ ታሪኽ ዲክታቶራት፡ ኢሳይያስ ንኣዶልፍ ሂትለር ዝመሳሰለሉ ብዙሕ ጉዳያት ኣሎ። ንጎዳጉዲ ዒራዒሮ ዝመሳሰል ከኣ እቲ ሂትለር ንኣይሁድ ከጥፍእ ዝሰርሖ ፎርኖታት ጥራይ ኢዩ። ኣንበሳ ኣማውታ ከልቢ ክመውት እንከሎ፡ የሕዝን ኢዩ። እቶም ኣብ 30 ዓመታት ኣናብስ ዝነበሩ ደቀባት ኤርትራ ድማ፡ ብሕማቕ ኣማውታ ኣብ እምባትካላን ዒራዒሮን ጠፊኦም ኣለዉ። እዚ ድማ እቲ ኣብ ታሪኽ ኤርትራን ህዝባን መዳርግቲ ዘይርከቦ ዝኸፍአ ፍጻሜ ኢዩ። ከምቲ መሸላ እናሰሓቐ ዝሓርር፡ ብዙሓት ካብቶም ጉጅለ 15 ክእሰሩን ክሞቱን እንከለዉ ዝስሕቁ ዝነበሩ ሚኒስተራት፣ ኣማሓደርቲን ጀነራላትን ከኣ፡ እታ ሓዊ ኣብ ኣርእሶም ተወሊዓ ኢያ። ፍልልይ ኣማውታ ኣብ ጎዳጉዲ ዒራዒሮን ኣብ ገገዝኦም ዝሞቱ ሰበስልጣናትን ድማ፡ ኣገባብ ቀብሪ ጥራይ ኢዩ ፍልልዩ። ሽዑ ካብ ዝስሕቁ ዝነበሩ ዝተረፍዎ ሰባት ከም ዘለዉ’ውን ገና ይፈልጥ ኢዩ። ካብዚ ክልቴና /ህዝቢን ኢሳይያስን/ ኣዋድቓ ፈረስ ወዲቕናሉ ዘለና ቅርዓት ዓደቦ፡ መን’ዩ ብድድ ክብል ከኣ ግዜ ክምልሶ ኢዩ።

ቀጺሉ ብስም “ሃንደበታዊ ሕማም” ብምስማም ንምሩጻት መራግእቲ ኤርትራዊ ሃገራውነት እናለቐመ ዝኸይድ ዝነበረ ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ ተጠንቂቑ ኢዩ ዝሕዞ። ኣብ ኣተሓሕዝኡ ሻላ-ማላ ስለዘይገብር ኢዩ፡ ክሳብ ሎሚ ደው ኢሉ ንክኸይድ ዝበቕዐ። ኢሳይያስ፡ ከም ኩላቶም ውልቀ-መለኽቲ ውዳሴ ይፈቱ ኢዩ። ዘይውድሶን ዘይሰግደሉን ኤርትራዊ ግን ክጠፍእ ኣለዎ። ብዛዕባ ስልጣን ዝምልከት ድማ፡ ፈታዊ ዝበሃል የብሉን። ንሱ ኣብ ዕድሚኡ ብዘይካ “ፕረዚደንት” ካብኡ ትሕት ኢሉ ወይ ተራ ሰብ ኮይኑ ክነብር ከም ዘይክእል ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ። ከምዚ ንክኸውን ክልተ ጉዳያት ኣለወኦ፤ ሓደ ንዝወፈረሉ ዕላማ፡ ‘ልኡኽ ሓሊቦ’ መታን ከይከውን፣ ካልኣይ ከኣ ኣእዳዉ ብንጹህ ደም ኤርትራውያን ዝተሓጽባ ስለዝኾና። ከምኡ ስለዝኾነ፡ ጉዳይ ምምቕራሕ ፖለቲካዊ ስልጣን፡ ቅዋም፡ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ዝብል ኣገባባት መንግስቲ ክሰምዕ እንከሎ፡ ቁጥዐ /ኣለርጂ/ ይገብረሉ። ሽዑ ኣብ ቅድሚኡ ዝጸንሕ፡ ወይልኡ!

ብቅልል ዝበለ፡ ዘይመጸጸ ፖለቲካ ክረአ እንከሎ፣ ሎሚ ንሕናን ኢሳይያስን ኣዋድቓ ፈረስ ኢና ወዲቕና ዘለና። ብድሕሪ ኣዋድቓ ፈረስ ግን፡ ብርግጽ ንህዝቢ ኤርትራ ሓራ ዘውጽእ ሙሴ ክውለደና ኢዩ። ኣብ ዘመነ ኢሳይያስ ብዙሓት ሙሴታት ተቐንጺሎም ኢዮም። ሎሚ ዝመጽእ ሙሴ ግን ብሓያል ሴፉ ንገበነኛታት ፍጹም ካብ ገጽ ምድሪ ኤርትራ ዝጸራርግ ክኸውን ኢዩ። ‘ንእሾኽ እሾኽ ኢያ ተውጽኣ፡ ኣራግጻኻ ግን ኣይትቐይር’ ከም ዝበሃል፡ ክሳብ ምጽኣተ ኤርትራዊ ሙሴ፡ ርእስኻ ኣይተድንን ኤርትራዊ። ገበነኛ ኢሳይያስ፡ ነቲ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ከካይዶ ዝጸንሐ ሓያል ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ፡ ኣብቲ ዝበሃጎ ግዜ ክፍጸም ኣይተኻእለን።

ስለዚ ክልተና ተተፋነንቲ /ደለይቲ ፍትሒን ህግደፍን/ በብውሽጣዊ ጉዳያትና ኣዋድቓ ፈረስ ወዲቕና ንርከብ ኣለና። ኣዋድቓ ፈረስ ኣብ ዝሓለፈ ብረታዊ ቃልሲ፡ ጃላ፡ ወይ ጃላነት ብዝብል ንሚዛን ሓይሊታት ዝገልጽ ቃል ተተኪኡ ነበረ። ጃላነት ማለት መንጉ-መንጎ፡ ማዕረ ሚዛን ወይ ከኣ ሓዲግ መዲግ ማለት ኢዩ። ኣብ ደገ ምስ ዘለዉ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ስርዓት ህግደፍ ንምዕናውን ህዝባዊ መንግስቲ ምትካልን፡ ለውጢ በየናይ መንገዲ ክመጽእ ይኽእል ንዝብል ሓሳባት፣ ብዝምልከት ርእይቶታትና ንፈላለ ኢና። እታ በንዚን ተነስኒሱዋ ዘሎ ምድሪ ኤርትራ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ ብዘሎ ህዝቢን ሰራዊትን ክርቢት ክሽርጠጣ ምዃኑ ንኣምን።

‘ነዓቒ ኣይፍቶኻ፡ ደቃሲ ኣይሓሉኻ!’ ህዝቢ ኤርትራ’ምበር በቲ ዝነዓቖ ይመሓደር፡ በቲ ደቃሲ ድማ ይሕሎ ኣሎ። ምኽንያቱ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ፡ “ድቃስ እፈቱ’የ” “…ሞባይል የብለይን፡ ኢንተርነት ከኣ ኣይጥቀምን እየ” ኢሉ ብጋህዲ ነጊሩና ኢዩ። ኣጸቢቑ ድቃስ ዓባይ ጤል ንክድቅስሲ፡ ካብ ኣዋድቓ ፈረስ ተንሲእና ሙሴ ካብ ማእከልና ንክንፈጥር፣ ኣዒንትና ንኽፈት።

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

UNCHR says 350 Eritreans in boat

(ANSA) – Geneva, April 21 – Some 350 Eritreans were among the 850 people who perished in the migrant boat that sank off the coast of Libya on Saturday night, a United Nations spokesperson said on Tuesday.
    U.N. High Commissioner for Refugees spokesperson Adrian Edwards said, ”according to survivors heard by UNHCR, the boat left Tripoli, Libya on Saturday with approximately 850 people and many children. Among the people on board, there were 350 Eritreans, and (others) from Syria, Somalia, Sierra Leone, Mali, Senegal, Gambia, Ivory Coast and Ethiopia”.
    The European Union is in the process of deciding a course of action targeting human traffickers in the Mediterranean in the wake of migrant-boat disaster.
    On Monday, the European Commission presented a 10-point plan including destroying smugglers’ boats on the Libyan coast.
    Italy unveiled a five-point plan on Tuesday which includes a similar approach to destroying smuggler boats and the possible use of drones. Proposals will be examined by a special EU summit Thursday.