ብእስትራተጂ ዓዲ ዝቐረበ ጽሑፍ ኣብ ጉባኤ ዋሽንግቶን ዲሲን ከባቢኣን

ብእስትራተጂ ዓዲ ዝቐረበ ጽሑፍ
ኣብ ጉባኤ ዋሽንግቶን ዲሲን ከባቢኣን
24 ጥቅምቲ 2014

ኣቐድም ኣቢለ ንኹሉኹም ደላይ ፍትሒ፡ እንኳዕ ብሰላም ናኣብዚ ኣገዳስን፡ ህጹጽን፡ ዝኾነ ሃገራዊ ጻዋዒት ንኽንእከብ ብሰላም ኣኻኸበና። ኩነታት ህዝብናን፡ ሃገርና ወዲቓቶ ዘላ ቅልውላው፡ ንክንፈልጥ፡ መፍትሒ ንምድላይን ዝግበር ጻዋዒት፡ ዝምስገንን ታሪኻውን እዩ።

ኣስዕብ ኣቢለ፡ ነዚ ጉባኤ ንኽግበር ዝሓለኑን፡ ዝሓሰቡን፡ ኣድላይነቱ ህጹጽ ምዃኑ ፈሊጦምን፡ ንዝወሰኑዎ፡ ዉሳኔ፡ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ዘይሕለል ድኻም ደኺሞምን፡ ኣብ መፈጸምታ ዘብጽሑን፡ ሽማግለታት፡ ክብ ዝበለ ምስጋና ብስም ማሕበርናን፡ ኣባላት ስትራተጂ ዓዲን፡ ቀጺለውን ብስም፡ እቲ ኣፉ ተለጉሙ ዘሎ ዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ደጋጊመ ከመስግን ይፈቱ።

ኣብ መግለጺ ብተባዕታይ ቃል ብምጽሓፈይ ኣሕዋተይ ደቂ ኣንስትዮ ረሲዔ ኣይኮንኩን።ይቕረታ ከም ድፍረት ከይውሰድ ሓደራ።
ባይቶ ቅድሚ ምጅማሮም፡ ቀዳሞት ወለድና፡ ቂምታ ዘልዎ ሰብ ከይህሉ፡ ኣቐዲሞም ይሓቱም! ንዝተቓያየሙ ዓሪቖም፡ እዮም ጉባኤኦም ዝጅምሩ ዝነበሩ።

እምብኣር፡ እዘን ክልተ መጻሕፍቲ “ታሪኽ ወሎዶ ህዝቢ ኤርትራ” ብሃለቅ ብርሃነ ዝተጻሕፈት፡ ከም ኡውን “ሕግታት መርየት ዓደቦ” ምስ እንውከስ፡ ክንደይ ኣሻሓት ዓመት ዝገበረ ህዝቢ፡ ታሪኽን፡ ዛንታን፡ ሕግታትን፡ ባህልን ልምድን፡ ቛንቛታትን ዘለዎ ህዝቢ፡ ሕጂ ዳኣ እንታይ ረኸቦ? ጠምበር ኢሉ ሽግሩ ክፈትሕ ዘይከል????????ኣብ ጸገም ኣትዩ ዝርከብ ዘሎ ደቁ መንጠቢ ጨኒቕዎም ፈቐዳኡ ዝጠፉን ዝቕበሩን ዘለዉ????

ኤርትራውያን መን ኢና??፡ ክንደይ ዘብን እዩ ትውልድና? መበቆልናን ዛንታናን፡ ታሪኽናን፡ ወግዕናን ያትናን ንፈልጥ ዲና? መንነትና ብግቡእ ክሳብ ዘይፈልጥና፡ ድማ ወሪድና ዘሎ ጸገም ጸነተ፡ እምበርዶ! ከም ህዝቢ ክነብር ኢና? ዘብል እዋን በጺሕና ኣሎና። ነዚ ከቢድ ሕቶ ክንምልሽ ናይ ግድን እዩ።ህጹጽ ምዃኑ ንኹሉ ክበርህ ኣለዎ።

“መንገዲ ምስ ወዲ ዓዲ” ቃል ኣቦው እዩ።
ዓድና መሰረትናን፡ መበቆልናን፡ መንነትና፡ መርየትናን ዝገልጽ እዩ። ኣብ ዓዲ ህዝቢ፡ ባህሊ፡ ታሪኽ ህዝቢ፡ መርየት፡ ባይቶ፡ኣምሓደርቲ ሽማግለ፡ ለባማት፡ ትምህርትን፡ ስልጠናን፡ ዛንታን ያታን፡ ምክብባርን፡ ፍቕሪን፡ እምነትን፡ ምትእምማንን፡ ጽንዓትን፡ ጅግንነትን፡ ምቕልሉነትን፡ ተወፋይነትን፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ይርከብ።

ወዲ ዓዲ፡ እንታይ ይገብር? ሰብ የኽብር። ኣይዳፈርን መሰል ሰብ ይሕሉ። ዝመጾ ይፈልጥ፡ ስነ ስርዓት ንዘጉደለ፡ ኣይወረጃን ወይ ጓሳ ኢሉ ይጽዋዕ። መነባብራኡ ድማ ኣብ ማሕረስን ኣብ መጓሰን እዩ። ከመኡ ድማ ጋሻ ይቕበል፡ መንገዲ ይመርሕ፡ መን ጓና መን ዘመድ ይፈልጥ፡ ኣከባቢኡ፡ መዳውብቱ ፡ መዋዳድርቱ ዝኾኑ ዓድታት ይፈልጥ፡ ኣብ ዓዲ ዝርከብ ቛቑራን ሽንጭሮን፡ ብዓትን ገደልን ይፈልጥ፡ መህደምን መሕብእን ናይ ዓዲ ይፈልጦ። ኣብ እንታይ እዋን ይጥቀመሎ ም ለሊጡ ድማ ይቕረብ …ወዘተ።
“ዓድኻ ፍርሕን ትኽልክለልካ፡ ሞት ነይትኽልክለልካ” ከም ዝባሃል ሰብ ኣብ ዓዱ ክፈርህ የብሉን።
ንሎሚ ካብ ሰለስተ ሕጊ ዓደቦ ንመምሃሪ ክጠቅስ፡ ፍቐዱለይ? ናይ ዓፈር፡ ናይ ኹናማ፡ ናይ ባዛን፡ ናይ መንዓምር በጃን…ወዘተ ከምዘሎና ንኹሉ ብሩህ እዩ።

ኣብ ዓዲ ሕጊ ኣሎ፡ መረየት ኣሎ፡ ባይቶ ኣሎ፡ ህዝቢ ኣሎ፡ ዜግነት ኣሎ። ኣብ ዓዱ ብሕጊ ኣይነባበር። “ሰብ ኣብ ዓዱ፡ እኽልን ኣብ ዓውዱ” ይባሃ።

ሓደ ህዝቢ ብሰላም ክነብር ሕጊ ክህልዎ ኣለዎ።እዚ ካብኮነ፡ እስከ፡ ኣብ ሕጊ ኣድግና ተግልባ፡ ንሕጊ ከመይ ይገልጾ። “ ሕጊ ማለት ንንጉስ፡ ንመኳንንቲ፡ ንሕዝቢ ምስ እግዚኣብሄር ዘሳማምዕ፡ ንሕዝቢ መሔለዊ፡ ብሰላም መንበሪ ዓቢ ረዲኤት ዘለዎ ነገር ማለት እዩ” ይብለና። ሕጊ ኣድግና ተገልባ ብዘበናዊ ኣብ ጽሑፍ ንኽሰፍር ሓደ ዓመትን፡ ሽዱሽተ ወርሕን ወሰደ። ኣብ “ምዔም ምሓዝ” ኣብ ዝተባህለ ቦታ ተኣወጀ።
“ለባም ተወከስ፡ ባላን ተሞርከስ” ከም ዝባሃል፡ ኣብ ደብተር ሕጊ ስርዓት ዓደቦ፡ ኣብ መቕድም ዝሰፈረ ንመልከት!

“ህዝቢ ኤርትራ ካብ መርየቱ በቑሉ ናብ መርየቱ ዝዓልብ ንባህልንታቱ ዘንጸባርቕን፡ ንኣግባብ መነባብራኡ ዝሰርዕን፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ሃገራዊ ሓድጊን ስነ መስርዕን ኮይኑ ካብ እዋን ናብ እዋን ዝተቐርጸ ሕግን ስርዓትን ናይ መረት ዓደቦ ኣለዎ። እዚ ሕጊዚ ካብ 1480 ዓም ኣትሒዙ ኣብ ስነ ጽሑፍ ሰፊሩ ንሕዝብና ኣብ ደረጃ ስልጡን ህዝቢ ዓለም ኣድይቡ ሚዛን ናይ ታሪኻዊ ምዕባለን ቀይዲ ናይ ህዝቢዊ ትካላትን ኮይኑ ክሳብ ሎሚ ኣገልግለቱ ኣብ ገጠራት ኤርትራ ከበርክት ይርኤ።

ሕጊ እንዳባ ሽሕኳ ኣገልግሎቱ ካብ ብዙሕ ዘበናት እናተዋራረሰ እንተመጸ ባዕዳውያን ገዛእቲን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራን በብ ኢብሪ እናተላዕሉ ጸቕጥን በብዓይነቱ ዕንቅፋትን ፈጢሮም ስለ ዘቛናጽብዎ፡ ከምቲ ግቡእ ክምዕብል ኣይከኣለን። ሰንሰለታውያን ገዛእቲ ንሕጊ እንዳባ ብምስትንዓቕ “ካብ ባህላዊ ትሕዝቶን ተራ ስርዓት ናይ ባህርያዊ ምንቅስቓስን ሓሊፉ ካልእ ክብሪ ክህልዎ ኣይክእልን” እናበሉ ስል ዝጓዕጸጽዎን፡ ተሓቲሙ ንዝወጸ ፡ብዙሕ ብራናታት፡ ድጓታትን፡ መጸሓፍትን ኣራርዮም ስለ ዘሕረርዎን፡ ንሕጊ እንዳባ ከነስተማቕሮን ብቐዳማይ ደረጃ፡ ሰሪዕና ክንኩስኩሶን ዕድል ኣይረኸብናን። ባዕዳውያን ጸላእቲ ዝፈጠርዎ ጉድኣት ግን በዚ ኣየብቕዔን። እቲ ዝገደደ” ሕግን ስርዓትን ናይ መርየት ዓደቦ ኣድሓርሓርን ንረብሓ መሳፍንቲ ዝቖመን እዩ” እናበሉ ናይ ስነ ኣእምሮ ደገልን፡ ናይ ስነ መንነት ፍርሕን ራዕድን ኣብ ሓንጎል ብዙሓት ሃገራውያን ስል ዘሰረጹ፡ ኣብ ክንዲ ብሕጊ እንዳባ ምኹራዕን ምሕባንን፡ ንዑኡ እናቆናጸቡን እና ኣነኣኣሱን መተካእታኡ ካልእ ምስ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘየሳኒ ናይ ወጻእተኛታት ሕጊ ወይ ክለሰሓሳብ ክስዕቡ ይረኣዩ። እዚ ድማ ኣዕናዊ ምንቅልዋጥ እዩ”።

ዝብል ተመዝጊቡ ንረክብ። ንኣዳለውቲ ደበተር ሕጊ ምስጋና ይብጻሓዮም።

ኣብ ሕጊ ኣድከመ ምልጋእ፡
“ንኹሉ ሕግታት ዓለም ዘጽንዕ መሰረት ድማ ሃይማኖትን ስራሕ ምፍታውን፡ ንንጉስ ምክባርን እዩ” ይብለና። ሕጊ ኣብ ዝሕገገሉ ግዜ ብእየጋንታ ዝተወልዱ፡ ዓበይትን፡ ለባማትን፡ ተመሪጾም ኣብ ማይ ጊፍ ዝተባህለ ቦታ (ወረዳ ተኸላ) ምስ ቃንዳ መለኸቶም ተኣኪቦም ሰሙን ክልተ ቅነ፡ ንቑጽ እንገራ እናተመገቡ፡ ማይ ሩባ እና ሰተዩ፡ ኣብ ጽላል ሞሞና ኮይኖም እግዚኣብሄር ግለጸልና ኢሎም ሓገግዎ” ይብለና።

ኣድከመ ምልጋእ፡ ኣብ ጉባኤ ምስ ተኣከቡ፡ “ብቃንዳ መለኸት በርበረ ዝመስል ዘንጊ ሒዞም እናዞሩ፡ ስምዑ ዓደቦና እዚ ሓጊግና፡ እዚን ደንጊግና ኣሎና፡ ኣብ ልብኹም የሕድሮ እናበሉ ብምሳር ዝተጸርበ መልሓሶም ገይሮም የስምዑን የውርሱን ነበሩ፡ ህዝቢ ብወገኑ ይስመርዎ እናበሉ ብደስታ ተቐቢሎም ይሰናበቱ” ነበሩ።

“ንጉስ ኣብ ሰቐላኦም፡ ኣቦታትና ኣብ መሞናኦም ዝሓገጉልና፡ ሓጸረ ኢልካ ኣይትልቅመሉ፡ ነውሔ ኢልካ ኣይተሕጽረሉ ኢሎም ይምጉቱ ነበሩ”።
ንዳሕረዎት ትውልዲ ምሕጽንታን ወይ ለበዋን!! ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

“እግዚኣብሄር ሕግና ክሕተም ካብ ፈቐደልና፡ ብድሕረና ዝውለዱ ደቅና ክቕጽልዎ ምሉእ ተስፋ ኣለና። ካብ ሓድሽ ሕጊ ክትፈጥር ነቲ ዝነበረ እናጸረብካ ከተስልጥ ይቐልል። ቅድም ኦሪት ነበረ፡ ወንጌል ምስ መጸ ፍጹም ብርሃን ኮነ።ደቅና ሕግና ኣጽኒዕም ከሔድስዎን ከጽርዩዎን ኩልና ንምርቖም። ይብሉና።

እሞ! ንሕና ደቖም ተኸቲልናዮምዶ? ዝብል ሕቶ የቕርብ።
ሕጊ ናይ ሎጎ ጭዋ፡ ኣብ ማይላሓም ሓገግዎ። ኣቦታትና ክልተ ደብተር ሕጊ ገደፉልና። ወድሰብ ተወሳላትን፡ ተታላልን፡ ምናልባሽ፡ ብጉቦ እንተ ተወሳለት፡ ሓንቲ ደብተር ሓላዊት ትኸውን። ዓደቦ ዝመረጾም፡ እሙናት ዝኾኑ ደብተር ዓቀብቲ ብባይቶ ይምረጹ፡ ደብተር ድማ፡ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ እናዞረ ይቕመጥ ነበረ።

ሕጊ ዓደቦ ሓደ ካብ ሓደ እንተዘይበሊጹ፡ ማዕረ መሰላት ዜጋን መሰል ዘራእትን፡ መሰል እንስሳታት ብጠቕላላ ዝሕሉ ሕጊ እዩ ነይሩ። መሰል እምነት ብፍቃድነት ዜጋ እዩ ዝውሰን።ዜጋ ኣብ ዝደለዮ ሃይማኖት ናይ ምእማን መሰል ነበሮ።
ስትራተጂ ዓዲ!!!!

ስትራተጂ ዓዲ እንታይ ማለት ኮን ይኸውን? ክንምልስ ኣድላዪ ኮይኑ ንረኽቦ። ነዚ ክንምልሽ! ዓዲ ኸ! እንታይ ማለት እዩ?
እምብኣር፡ ዓዲ እንታይ ምዃኑ ካብ ፈለጥና! ንዓዲ መን ፈጠሮ ወይስ መን ወለዶ? ጥሻ ወይ መርየት ዘለዎም እኩባት ስድራ ቤታት እዮም ዓዲ ዘቑሙ። ኣብ ባይቶ ተኣኪቦም ድማ፡ ሕጂስ ዓዲ ኣኺልና ኢናሞ! ዓዲ ዘድሊ ኣኸለ መሰለ’ን ኣለና ኢሎም ዓዲ እገል ኢና፡ ኢሎም ይስየሙ። ዓዲ እገለ፡ ዝመርሖም ጭቃ፡ ዘካይድዎም ዓበይቲ ዓዲ፡ ሽማግለ ኣመሓደርቲ፡ሽማግለ ገላፎ መርየት፡ ዓቛሮ መርየት፡ ዝእከብሉ ባይቶ፡ ዝጽልዩሉ ቤት ጾሎት፡ ቤት ጸሎት ዘማሓድሩ፡ ሰብ ምስ ወፈረ ዓዲ ዝሕሉ በብታራ ኳደረ ይገብሩ ነበሩ።

ደቂ ዓዲ ኣግባብን ወግዕን ቀዳሞት ኩሉ ዘማልእ እዩ። ኣብ ግዜ ሓጎሶም ኮነ፡ ኣብ ግዜ ሓዘኖም፡ ኣብ እዋን ሽግርን ኮነ ኣብ እዋን ራህዋ፡ ኣብ ግዜ ዓመጽ ኮነ ኣብ ግዜ ወራር ጸላኢ ኣብ ዘጓንፎም፡ ደወል ይድወል እሞ! ዓዲ ይእከብ፡ ከም ህጽጹነቱ፡ በቲ ዘቖሙዎ ምስጢራዊ ምልክታት፡ ተጸዋዊዕም ኣብ ባይቶ ይመኻኸሩ ነበረ።

ኣብ ባይቶ ተኣኪቦም መን መጺኡ! መንከ ተረፈ! መትረፊኡኸ! እንታይ መትረፊኡ የረጋግጹ። መትረፊኡ ምስተፈልጠ ኣብ ጉዳዮም ጉዳይ ይኣትዉ። መኤከቢኦም ኣብ ባይቶ ኣዳቒቖም ይዘራረቡ፡ ይካትዑ፡ ይሰሓሓቡ፡ ኣብ መጨረሻ ግና፡ ንዘምጽኦም ጉዳይ መፍትሒ ወሲኖም ብሓባር ይሰናበቱ። ጸላኢ መጺኡ! እንተ ኾይኑ ንኩናት ይኸቱ። ኩሉ ነገር ዓዲ ኣብ ባይቶ ዓዲ ይፍጸም። ደቂ ዓዲ ሓጎሶምን፡ መከራኦምን፡ ብሓደ ምዃኑ ኣሚኖም ቃል ዓዲ፡ ሕጊ ዓዲ ምዃኑ፡ ኩሉተሰማሚዑ ይነብር። ወዲ ዓዲ ዜጋ እዩ። ዜግነት ኣብ ዓዲ ይበቁል። ዓድታት ተኪበን፡ ወረዳ ይኾና።ወረዳታት ተኣኪበን ኣውራጃ ይኾና። ኣውራጃታት ተደማሚረን ድማ ሃገር የቑማ። ወዲ ሃገር ወይስ ወዲ ዓዲ ትርጉሙ ኩሉ ሓደ እዩ።

ካብዚ ተበጊስና ኢና፡ ስትራተጂ ዓዲ እንብል ዘለና። መንነትና ፈሊጥና፡ ክንምህርን፡ ክንቃለስን፡ ዝወሰና። መሰረት ዘይብሉ ፈራሲን፡ ተሰባሪን ስለ ዝኾነ፡ መንነትናን፡ ታሪኽናን፡ ባህልናን እንተድኣ ፈሊጥና ተኣማሚናን፡ ተፋቒርናን ንክንሰርሕ የኽእለና። መሰረት ዘለዎ ቤት ድልዱል እዩ። ዓንዲ ዘለዎ ቤት ኣይፈርስ እዩ። ቀዳሞት ወለዲ ከመይ ገይሮም ሽግራቶም ይፈትሑ ከም ዝነበሩን፡ ይነባበሩን ከምዝነበሩን፡ የፍልጥናሞ፡ ብትዕግስትን፡ ብትብዓትን ንክንምጉት፡ የብቅዓና።

ነዚ ገጢሙና ዘለሎ፡ ሃገራዊ ጸነተ! ከምዘይናትካ ጉዳይ ኣማዕዲኻ ዝርኤ ኣይኮነን። ኣምዕድዩ ንዝርኢ ዜጋ፡ ናይ ጥዕናዶ! ይኸውን? ኢልካ ዘሕትት እዩ። ሓደ ሓደ ምስላታት ቀዳሞት እስከ ንመልከት!
ተመሊስካ ትርእዮ ገዲፍካዮ ኣይትእቶ፡
ንርስቲ ይዋጋኣላ፡ ኣንስቲ፡
ሓረድዋ ሞተት፡ ነጸይዋ ሞተት፡
ትርጉም ናይ እዚ ምስላታት እንተ! ተረዲእና፡ ሽግር ሃገርና ኣማዕዲኻ ዝርኣዮ እዋን ስለ ዘይኮነ፡ ንሕና ከም ስትራተጂ ዓዲ ሽግር ሃገርና ንኽንፈትሕ ምስ ኩሎም ዜጋታትና፡ ሓቢርና ንኽንሰርሕ ቕሩባት ምዃና፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ ንህዝብና ከነፍልጥ ንፈቱ።

ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና ኣብ ዘዘለዎ ዓዲ፡ መሰረታዊ ዘተን ምትእኽኻብን፡ ጀሚሩ ኣሎሞ! ኣብ ዝላዓለ ደርጃ ንኽበጽሕ፡ ኣብ ዘዘለዎ ዓዲ ዘይሕለል ጻዕሪ ንኽገብር ንኹሎም ዜጋታትና ጻዋዒትና ነቕርብ።

ስትራተጂ ዓዲ፡ ሽግር ሃገርና፡ መፍትሒኡ፡ ኣብ ስድራ ቤት ኤርትራ፡ ኢሉ ይኣምን።ጉዳይ ሃገሩ ዓው ኢሉ ክዘራረብ ኣለዎ ንብል። ፍቓድ ካብ ማንም ክሓትት የብሉን። ብካልእ ሰብ ክፈትሓሉ ድማ ኣይጸበ። ዝርርብ ኣብ ስድራ ቤት እዩ ክጅመር ዘለዎ። ዝከባበር ስድራ ቤት ዝከባበሩ መሓዙትን መማኽርትን ኣለዉዎም። “መንም ምዃንካ ክፈልጠካ ምስ መን ከም እትኸይድ ንገረኒ” ከም ዝባሃል፡ ኣደታትን ወዘራዝርን ንስድራ ቤተን፡ ድግድጊት ተዓጢቐን ክሙግታን፡ ክምክታን ምስ ዝጅምራ፡ ዓወት ህዝቢ ኣብ ባይቶ ዓዲ ይውዳእ። ካብ ዓዲ ቀጺሉ፡ ናብ እንዳታትን፡ ናብ ወረዳታትን፡ ናብ ኣውራጃታትን፡ ይበጽሕሞ! መእስሪኡን መዛዘሚኡን ድማ፡ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ይፍጸም።

ናይ ዉልቅና ጉዳይ ጸገምና ክንፈትሕ፡ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣለኹ ኢልና ንነብስና ቅድም ምስ እንውከስ እዩ መፍቲ ጸገም ዝኸውን መንገዲ ዝርከብ። “ወለድና ፍልስፍና ኣይተማህሮም፡ እንተኾነ ፍላስፋትት እዮም ነይሮም” ነፍሰሄር ካርዲናል ጳውሎስ ጽድዋ ከም ዝበልዎ፡ “ሳእንኻ ማዕረ እግግርኻ” ከም ዝብሉ ወለድና ኣብ እንፈልጦን፡ ብእንኽእሎን ሓቢርና ምስ እንሰርሕ ጸገም ምሓጸረ ንብል። ኣነ መን እየ? ኣበይ ኩነታትከ! ኣለኹ? ናበይ ገጸከ! ጉዕዞይ? ኢልና ምስ እንሓትት ንሰውነትና ነጻ ነውጽእ።

“ስጋ በሊዕካን ዓጽሚ፡ ነገር ወዲእካን ፈጽሚ” ይብሉ ቀዳሞት እሞ! ስትራተጂ ዓዲ ምስ ኩሉ ዜጋ፡ ሲቪካዊ ማሕበርን፡ ዉድባትን፡
ናይ ምስራሕ ዕቕሚ ከምዘለዎ ደጋጊሙ የረጋግጽ።

“ሰብ ኣብ ዓዱ!፡ እኽልከ! ኣብ ዓውዱ!” ኢሎም ወልደና! ኣብ ዓዲ መርየት ኣሎ፡ባይቶ ኣሎ፡ ዜግነት ኣብ ዓዲ ይዋሃብ፡ ወዲ ዓዲ ማለት ዜጋ ማለት እዩ። መሰረት ዓዲ ስለዝኾነ ብዓዲ ንጀምር። ኣብ ስደን ዝነብር ኤርትራዊ ኣብ ዘዘለዎ፡ ዝነብረሉ ዓዱ ስለ ዝኾነ፡ ፍቕሩን ሕውነቱን ከደልድልን፡ ምቅርራቡ ከደልድን፡ “ንኽትድቅስ ጎረቤትካ ይደቅስ” ከም ዝባሃለ፡ ኣብ ከባቢኡን፡ ዙርያኡን፡ ዝርከቡ ዜጋታቱ ለሊጡ ምእንቲ መንነቱን፡ ህዝቡን፡ ክብሩን ዝርርብ ጀሚሩ መፍትሒ ሽግር ህዝቡ ከምዝረክብ ጥርጥር የብልናን።

ዝለዓለ ክብርን ምስጋናን ንኹሉም ስዋኣትና!!!
ነዚ ዕዉት ንክኸውን ዘቕረቡን ዝደኸሙን
ምሁራት ኤርትራውያን ደጊምና ነመስግን።

ስትራተጂ ዓዲ!!!
24 ጥቅምቲ 2014
ቭየና፡ ቭርጂንያ
ሰምየን ኣመሪካ

ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ..ድኣ? ሻብዓይ ክፋል

ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ..ድኣ?

ሻብዓይ ክፋል

ሻብዓይ ክፋል ጽሑፈይ ከምቲ ዝሓለፈ ክፋላት ጽሑፈይ ዘይኮነ፡ ንጹር መርገጺኻን እምነትካን ተረጋግጸሉ ኣዝዩ ከቢድ ትብዓትን ምስትውዓልን ምምርማርን ዝሓትት ትሕዝቶ ዝሓዘ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ማዕረ ማዕረ ምዝርግሑ ጫውጫው ምባልን ናይ ጸለመ ዳርባታትን ክመጻኒ ምዃኑን ኣቐዲመ ዘረጋገጽኩዎ ኢዩ፡፡ የግዳስ ክነትዕ ዝግበኦ ቀንዲ ሕበጣትና ስለ ዝኾነ ሎሚ ግድን ክጥባሕ ኣለዎ፡፡ ቀዲመ ክሕብሮን ክብሎን ዝደሊ ግን፡ እቶም ኣብዚ ሕጂ ዘልዕሎ ጉዳይ ርእይቶኹም ነቐፌታኹም ደገፍኩም ትህቡ ኩሉኹም፡ ብስምዒት ዘይኮነ ብኣፍልጦን ብምስትውዓልን ክኸውን ምስ ኣኽብሮት ይምሕጸነኩም፡፡ ብስም ኤርትራ ንኤርትራውያን፡ ጉዳይና ባዕልና፡ ወረርትን ቀናኣትን ኣለዉና፡ ኣመሪካዶ ወያነ፡ ኢትዮጵያ ድኽምቲ ኤርትራ ኢዮም ዝደልዩ ወዘተ ወዘተ ንዓሰርተው ሸውዓተ ዓመታት በልዩ ዝተመናነሀ ደርፊ ህግደፍ ሪሚክስ ገይርና ብገርህና ዝደረፍናዮን ዘጣቓዕናዮን በቃ ይኣክል፡፡ ሎሚ ነገራት መሊስና ክንጠናንጎ ዘይኮነ፡ ብኸመይ እቲ ናብ ዕርብርብ ዘምረሓና ዘሎ ግርጭት ይፍታሕ ኩልና ንጽዓር፡፡ ጉዳይና ነባርን ዘተኣማምንን ፍታሕን መዓልቦን ክረክብ ነገራት ካብ ሱሮም ንመርምሮም፡፡ ብስምዒትን ብህልኽን ትምክሕትን ተወጢርና ዘይኮነ ብኣፍልጦን ብምስትውዓልን ብልቦናን ተቢዕና ንግጠሞ፡፡

ብዛዕባ መንʼዩ ጀማሪ ኲናት ኣብ ሻድሻይ ክፋል ጽሑፈይ፡ ብቓላት እቶም ሃዋርያ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ ሓርበኛታት መራሕቲ ገድሊ ኤርትራ፡ ገለ ኣብ ጎዳጉዲ ማሕር ዒራዒሮ ዝተሰውኡን ገለ ገና ኣብ ከቢድ ስቅያት ዝርከቡን ብህይወት ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ዘይይፍለጡ ጀጋኑ፡ ጀማሪን ፈላምን ውግእ ባዕሉ ኢሳይያስ ምዃኑን ኣፍልጦ ከም ዘይነበሮምን ምስ መርትዖታቱ ኣቕሪበዮ እየ፡፡ ብዓቢኡ ውን ስርዓት ህግደፍ እወ ውግእ ባዕልና ጀሚርናዮ ክብሉ ንኮሚሽን ካሕሳ ኣሚኖምሉን ክታሞም ኣምቢሮምሉን ኢዮም፡፡ ስለ ዝኾነ እቲ ብዘይ ኣፍልጦ ቀዳማይ ካልኣይ ሳልሳይ ወራር እናበልና ንጽወዖ እውን ግጉይ ምዃኑ ክንርዳእ ይግባእ፡፡ መንʼዩ ጀማሪ ብሕጊ ተረጋጊጹ መዝገቡ ዝተዓጽወ ጉዳይ ስለዝኾነ ወረርቲ፡ ጠላማት፡ ኣይእመኑን ኢዮም ዝበሃል ዕንኪላሎ ዘረባን ጽውጽዋይን ንግደፎ፡፡ ናብቲ ካልኣይን ተኣፋፍን ዛዕባና ኮምሽን ዶብ ብዝሃቦ ቀያድን እግባይ ዘይበሃሎን ውሳነ ነባሪ ፍታሕ የምጽእʼዶ ንኺድ፡፡

ቀዳማይ ጉዳይ ባድመን ብኮሚሽን ዶብ ዝተዋህበ ይግባይ ዘይበሃሎ ውሳነን፡፡ እቶም ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝተዋህበ ውሳነ እንታይን እንታይን ዘጠቓለለ ምዃኑ ከይፈለጠ ንሕና ንፈልጠልካ፡ ንሕና ዝበልናዮ ፍተዎ ጽልኣዮ ክትቅበሎ ኢኻ ንብሎ ዘለና፡ ብርግጽ ኮምሽን ዶብ ብዝሃቦ ብይን ምሕንጻጽ ዶብ ፍታሕ ከምጽእ ይኽእል ኢልና ዲና ንሓስብ..? ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ውሳነ ብርግጽ ባድመ ናይ ኤርትራ ምዃና ኣብቲ ዝወሰኖ ውሳነ ኣረጋጊጹዎ ኣሎ፡፡ ብኣንጻሩ ግን ኮሚሽን ዶብ ሕጂ ልቦና ብዝመለኦ ሓቀኛ ሕውነታዊ ምርድዳእ መዓልቦ እንተዘይ ገይርናሉ ንዘንተ እለት ኣብ ረጽሚ ዘእቱ ጌጋታት እውን ፈጺሙ ኣሎ፡፡ ስለምንታይ መዛረቢ ዛዕባና ባድመ ጥራይ ይኸውን..? ስለምንታይ ኣብዚ ከቢድ ዛዕባ እቶም ዝፈልጡን ኣብ ፖለቲካዊ ስራሕ ተጸሚድና ንሰርሕ ኣለና ዝብሉ ፖለቲካውያን ውድባትን ምሁራት ኤርትራውያን ጥቕሙን ጉድኣቱን ብዓውታ ንህዝቢ ዘይነግሩ…? ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ውሳነ ኣዝዩ ከቢድ መጻኢ ክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ሓሸውየን ረጽምን ከም ዘእቱ ብሓቂ ጠፊእዎምን ተሰዊርዎምን ድዩ..? ወይስ ብኢሳይያሲዝም ስነ-ሓሳብ  ሓንሳብን ንሓዋሩን ተሰኒፎምን ባህሪሮምን ኢዮም፡፡ ብወገነይ ኮሚሽን ዶብ ብዝሃቦ ብይን ምሕንጻጽ ዶብ ካልእ ዝገደደ ረጽሚ እምበር ፍታሕ ከምጽእ ኣይክእልን ኢዩ፡፡ ስለምንታʼዩ ነባርን ዘተኣማምንን ፍታሕ ከምጽእ ዘይክእል ብዝርዝር ንርኣዮ፡፡

ኣብዚ ጉዳይዚ ብዝያዳ ዝንቐፉ እቶም ንቃለስ ኣለና ዝብሉ ውድባትን ምሁራት ኤርትራውያንን ኢዮም፡፡ እቲ ዘይፈልጥ በቲ ህግደፍ ዝዘርገሖ ጌጋ ሓበሬታ ከም ዘበነ ውበ ጸሚሙ ውበ እንተበለ ኣይተሓዞን ኢዩ፡፡ እቶም ዝፈልጡ ግን ኣዝዩ ከቢድ መጻኢ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ሕንፍሽፍሽ ኣብ ዘእቱ ታሪኻዊ ገበን ኢዮም ዝፍጽሙ ዘለዉ፡፡ ስለ ዝኾነ ሕጂ ውን ክምብል በለ እምበር ኣይተኻዕወን ከም ዝበሃል  ነቲ ድንክል ኢሉ ዘሎ ግጉይ ኣካይዳን ኣተሓሳስባን ሓቀኛን ዘተኣማምንን ፍታሕን ምርግጋእን ንኽመጽእ ንህዝቢ ብትብዓት እቲ ሓቂ ክነግርዎ ይግባእ፡፡ ማዕሪኡ እዚ ንሕና ንፈልጠልካ ንሕና ንብለካን ዝወሰንናልካን ተቐበል ዝበሃል ዓማጽን መላኽን ኣካይዳን ባህርን ክንኣልዮን ክንውግዶን ይግባእ፡፡ ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ዋና ምዃኑ ብዘረባ ዘይኮነ ብተግባር ተሳታፊ ከም ዝኸውን ክግበር ይግባእ፡፡ ኣብዚ ኣዝዩ ተኣፊ ጉዳይ ብዓቢኡ ህዝቢ፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ብፍሉይ እውን ኣብ ወሰናስን ዶብ ዘሎ ህዝቢ ተዓዛቢ ዘይኮነ ተዋሳእን ዋናን ክኸውን ኣለዎ፡፡ ኣይኮነን እዚ ንሕና ንፈልጠልካ ብዝብል ግጉይ ኣካይዳ ብድሌት ውልቀ መራሕቲ ዝግበር ዕበጦ ዕበጦ ጽባሕ ናብዘይ ዓርፍ ረጽሚ ክሰጋገር ከም ዝኽእል ምግንዛብ የድሊ፡፡

ኮምሽን ዶብ ብዜካ እቲ ባድመ መሬት ኤርትራ ምዃኑ ዝሃቦ ውሳነ፡ ካልእ እንታይን እንታይን ውሳነታት ኢዩ ኣብቲ ካርታ ኣስፊርዎ ዘሎ ሓደ ብሓደ ምርኣዩ ኣገዳሲ ኢዩ፡፡ ኮምሽን ዶብ ኣዝዩ ሰፊሕ መሬት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣትው ውሳነ ሂቡ ኣሎ፡፡ ብተመሳሳሊ እውን ሰፊሕ መሬት ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ከም ዝኣቱው ኣብቲ ዝሃቦ ውሳነ ኣብ ካርትኡ ኣስፊርዎ ኣሎ፡፡ ንጭቡጥ ዝርዝራቱ ሰፊሕ መሬት ከባቢታት ደንከል ባዳ መሬት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣትው ግጉይ ውሳነ ሂቡ ኣሎ፡፡ ብተውሳኺ ብመሰረት ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኩለን ዓድታት በለሳ ከባቢ ጸሮና፡ ዓድታት ዑናናዞ፡ ዓዲ ኩቱ፡ ሰብዖ፡ ዑናሽሓቕ፡ ቆሎ ብርዶ፡ ዓዲ ሽሁ፡ ክሳብ ምግምጋም ሓስሓሶ ከምኡ ውን ዓድታት ኩደወይባ፡ ማይዓጋም እቲ ከቢድ ደማዊ ውግእ ዝተኻየደሉ ጎላጉል እግሪ መኸል ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው እዩ ኣብ ካርትኡ ወሲንዎን ኣስፊርዎን ዘሎ፡፡ ኣብ ከባቢ ስመጃና እንተ መጺእና  እውን ክሳብ ገለ መሬታት ኮኾባይ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ እዩ እቲ ውሳነ ተዋሂቡ፡፡ ብመንጽር መሬት ኢትዮጵያ እንተኸድካ እውን ተመሳሳሊ ግጉይ ውሳነ ኢዩ ኮሚሽን ዶብ ኣብ ካርትኡ ኣስፊርዎ ዘሎ፡፡ ገለ ክፋል መሬት ዓድታት ኢሮብ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ኮሚሽን ዶብ ኣብቲ ይግባይ ዘይበሃሎ ብይኑ ወሲኑ ኣሎ፡፡ ስለ ዝኾነ እዚ ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ግጉይ ውሳነ ብሓቂ ዲና ነባርን ዘተኣማምንን ፍታሕ ከምጽእ ኢዩ ኢልና ንምጉት ዘለና፡፡ እዚ ግጉይ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ህዝቢ ኤርትራ ብሓቂ ማሕረ ኢሉ ይቕበሎʼዶ…? ማዕሪኡ እውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ጸዓዱ ዝፈረድዎ ቅኑዕን ፍትሓውንዩ ብምበል ዝቕበሎ ድዩ ዝመስለና..? ብወገነይ እዚ ውሳነ እዚ ዝገደደ ረጽምን ምምዝባልን እምበር ፍታሕ ከምጽእ ኣይክእልንʼዩ ዝብል እምንቶ ኢዩ ዘለኒ፡፡ ስለምንታይ…?

ብቐዳምነት ሃገር ማለት ሜዳን እምባን ኩርባን ባሕርን ዘይኮነ ህዝቢ ኢዩ፡፡ ንኤርራዊ መንነትን ኣተሓሳስባን ሃገራውነትን ዘለዎ ህዝቢ፡ አሞ ድማ ንስለ ናጽነትን ሪምን ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈለን ዝሰንከለን ዝኸርተተን ዝተጋደለን ህዝቢ፡ ኮምሽን ዶብ ናብ ኢትዮጵያ ክትሕወስ ፈሪዱካ ኢዩʼሞ ኢትዮጵያዊ ኢኻ ክትብሎ በየናይ ስነሞጎት፡፡ እዚ ውሳነ እዚ ተመሳሳሊ ጌጋ እቲ ኣብ ሓምሳታት ዝተፈጸመ ውሳነ ፈደረሽን ዝመሳሰል ታሪኻዊ ጌጋ ኢዩ፡፡ ማዕሪኡ ኢትዮጵያዊ መንነትን ኣተሓሳስባን ሃገራውነትን ዘለዎ ህዝቢ ኮሚሽን ዶብ ናብ ኤርትራ ክትሕወስ ፈሪዱካ እዩʼሞ ኤርትራዊ ኢኻ ስለ ዝተባህለ ጻዓዱ ስለ ዝፈረድዎ ኣሜን ኢሉ ተቐቢሉ ዘተግብሮ ድዩ ዝመስለና ዘሎ፡፡ ብዛዕባ እቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታትን ክውንነትን ባዕሎም እቶም ዋናታት ብሰፊሑ ከብርህዎን ክገልጽዎን ተስፋ ይገብር፡፡ እቲ ብወገን ኤርትራ ዘሎን ብዓቕመይ ዝፈልጦን ግን ኣብ ባይታ ካብ ዘጋጠመ ነገራት ጭብጥን መረዳእታን ክህበሉ ክፍትን እየ፡፡

እቲ ኣብ ደንከል ከባቢ ባዳ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው ኮሚሽን ዶብ ብይን ዝሃበሉን ኣብቲ ንኽልቲኡ ሃገራት ዝተዋህበ ካርታ  መሬት ኤርትራ ስርዓት ህግደፍ ሓደ መዓልቲ ኣልዒልዎን ዘኪርዎን ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ከባቢ ስመጃና ኣከለጉዛይ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ዝተወሰነ መሬት እውን ስርዓት ህግደፍ ተዛሪቡሉን ዘኪርዎን ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡ እቲ ኩሉ ግዜ ዝለዓል ባድመ ባድመ ባድመ ዝብል መሬትን ጉዳይን ጥራይ ኢዩ፡፡ ስለምንታʼዩ እዚ ቀዲመ ዝጠቐስኩዎ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ግጉይ ውሳነ ዘይለዓልን ዘይዝከርን…? ስርዓት ህግደፍ ከቢድ ረጽሚ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክመጾ ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ፡፡ ኣብ 2010 ዓ/ም ስርዓት ህግደፍ ካብ ህዝቢ ዓድታት በለሳን ከባቢታት ጸሮናን ዓቢ ትምህርትን ተመኩሮን ረኺቡ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ኩሉ ነገር ዓቢስካ፡ ኮሚሽን ዶብ ቅኑዕን ፍትሓውን ውሳነን ብይንን ከም ዝሃበ ንህዝቢ ባድመ ብዝብል ደርፊ ከም ዝጸምምን ከም ዝድንቁርን ገይርካ፡ ዕደመ ስልጣኑ ከናውሕ ኢዩ አቲ ድራማ ተሰሪሑ፡፡ ብዘይ ቀልዓለም ህግደፍ በቲ ዝሰረሖ ድራማ ተዓዊቱን ክሳብ ሕጂ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ድንግርግር ኣእትዩን ኣብ መንበረ ምልኪ ስልጣን ተወጢሑ ይቕጽል እውን ኣሎ፡፡ ሎሚ ንብዙሓት እዚ ጉዳይ ከም ዝሕድሸና ርግጸኛ እየ፡፡ ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ውሳነ ግን ከምዝዚ ተገሊጹ ዘሎ ኢዩ፡፡ ብመሰረት ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ሰፊሕ መሬት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ኣሎ፡፡ ማዕሪኡ ድማ ኤርትራዊ መበቆልን መንነትን ዘለዎ ህዝቢ ኢትዮጵያዊ ኢኻ ይበሃል ኣሎ፡፡

በቲ ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ብይንን ውሳነን ስርዓት ህግደፍ ንዓድታት በለሳን ከባቢታት ጸሮናን ከም መማለዲ ንባድመ ክኸውን ኣብ 2010 ፈተነ ኣካይዱ ነይሩ ኢዩ፡፡ ኣብቲ እዋን እቲ ላዕለዎት ልኡኻት ኢሳይያስ ኮይኖም፡ ኣብቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ምስ ስርሒት ፎርቶ ብምትሕሓዝ ኢሳይያስ ናብ ማሕዩር ካርሸሊ ክወርድ ዝፈረዶም፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ነበር ሙሱጦፋ ኑርሕሴን፡ ከምኡ ውን ካብ ሞት ንስክላ ድሒኑ ኣብ ከቢድ ስንክልና ዝርከብ ብርጋደር ጀነራል ኢዮብ ሓሊባይን ኢፍትሓዊ ውሳነ ንህዝቢ እቲ ከባቢ ኣርዲኦሞ ኢዮም፡፡ ቃል ብቓሉ እቲ ዝበልዎ ንምድጋሙ፡ “ኮሚሽን ዶብ እዚ ከባቢ መሬት ኢትዮጵያ ምዃኑ ወሲንዎ ኢዩ፡፡ ወያነ ካብ ባድመ ክወጽእ እንተድኣ ኮይኑ እዚ ከባቢታት ብመሰረት ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ንኢትዮጵያ  ከነረክቦም ኣለና፡፡ ንዓኹም ድማ ዝበለጸ ሰፊሕን በዱን መሬት ኣብ ጋሽ ባርካ መንግስቲ ክህበኩም ኢዩ፡፡” ዝብል ኢፍትሓዊ መምርሒ ኢዩ፡፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ ንሕና ኤርትራውያን ኢና፡፡ እዚ መሬት ድማ መሬትና ርስትና መንነትና ኢዩ፡፡ ንባድመ ክንብል ርስትናን ርስቲ ኣበሓጎታትናን ዝኾነ መሬትና ኣይንሓድግን ኣይንሸይጥን ዝብል ኢዩ፡፡ ኣረ ብግዲ ብውዲ ብዓማጺ መምርሒ ስርዓት ህግደፍ ብሓይሊ ንጋሽ ባርካ ክግዕዙ እውን ዓሰርተታት ዓበይቲ መካይን ብወተሃደራት ተዓጂበን መጺአነኦ፡፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ ግን ተበቲኑ፡፡ ብዙሓት እውን ምስ ቤተሰቦም ዶብ ተሳጊሮም ንስደት ናብ ኢትዮጵያ ንመዓስከር ማይ ዓይንን ማይ ጸብርን ኣትዮም፡፡ እሞ ድኣ እዚ ድዩ ኮሚሽን ዶብ ብዝሃቦ ብይን ምሕንጻጽ ዶብ፡ ፍታሕ ከምጽእ ኢልና ንሓልም ዘለና……? ጠንቅን መበገስን እዚ ናብ ዕርብርብ ኣምሪሑና ዘሎ ኲናት ዶብን ባድመን ከም ዘይኮነ ክንፈልጥ ይግባእ፡፡

ይ  ቕ  ጽ  ል………

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

[email protected] (+251-921924501)

መግለጺ ሓዘን ብምኽንያት ዕረፍተ-ሞት ሓርበኛ ሃገራዊ ዶ/ር ተወልደ ተ/ማርያም (ወዲ-ቨካሮ)

መግለጺ ሓዘን ብምኽንያት ዕረፍተ-ሞት ሓርበኛ ሃገራዊ ዶ/ር ተወልደ ተ/ማርያም (ወዲ-ቨካሮ)

ናይ ጥዕንኡ ኩነታት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ሰሪዑ፡ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ቀዳምነት ሂቡ፡ ህዝብና ብሓድነት ንምልኪ ስርዓት ህግደፍ ንምልጋስ ከይሰልከየ ኣብ ሙሉእ ዓለም ህዝባዊ ምልዕዓል ዘካየደ ሓርበኛ ኤርትራዊ፡ ብሕማም ምኽንያት ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ምፍላዩ ዝተሰመዓና ሓዘን ወሰን የብሉን። ዶ/ር ተወልደ፡ ንዝነበሮ ፍቕሪ ሃገርን፡ ንጹህ ሕልናን ሓልዮት ህዝብን፡ ብግብሪ ዘመስከረ ኣብነታዊ ሓውን ኣቦን ኢዩ ነይሩ። ብወገን ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓል ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ፍትሕን – ሰሜን ኣመሪካ፡ ዘይተጸበናዮን ዘይተዳለናሉን ሞት ናይ ኣቦናን፡ ኣያናን፡ ሓውናን ሓርበኛ ዶ/ር ተወልደ ተስፋማርያም ምስ ሰማዕና፡ እቲ ሓዘንን ክሳራን ንስድርኡን ቤተ-ሰቡን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንሃገርን ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራን ምዃኑ ኢዩ ዘስተብህል። ነቲ ካብ ግዜ ንእሰነቱ ኣትሒዙ ምእንቲ ሃገራዊ ነጻነት ብተወፋይነት ኣብ ዝተቓለሰሉ ግዜ፡ ነቲ ኣብ ጎኒ መላኺ ስርዓት ኮይኑ ዝተሓባበሮ ንህዝቢ ኤርትራ ይቕረ ሓቲቱ፡ ንጥልመት መራሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ብምኹናንን ብምቅላዕን ንድሕነት ሃገርን ፍትሒ ህዝቡን ብግብሪ ዘመስከረ ታሪኻዊ ዜጋ ኢዩ።

ግዚያዊት ኣወሃሃዲት ሽማግለ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓል ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ፍትሕን ሰሜን ኣመሪካ፡ ምስ ዶ/ር ተወልደን መሳርሕቱን ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዓራቱ ከሎ ብዛዕባ ሓድነት ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ንምሕያልን ንምስፋሕን ዝዕላምኡ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 30 መዓልታት፡ 2 ግዜ ተራኺባ ነይራ። ብዛዕባ ጉዳይ ሃገር ኣብ ዝተላዕለሉ ግዜ ንሕማሙ ረሲዑ፡ ነቲ በብከተምኡ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ጥርናፈን ምትእስሳርን ብዙሕ ከምዘሐጎሶን “ኣጀኹም እዞም የሕዋተይ” ኢሉ እቲ ዝነበሮ እምንት ናይ ለውጢ ገሊጹ። ዶ/ር ተወልደ ነባሪ ታሪኽ ስለዝሰረሐን ስለዝገደፈን፡ ብመንፈስ ምስ ኩልና ነባሪ ኢዩ። ከይተሓለለ ንህዝቡ ንምጥርናፍ መጸዋዕታ ኤርትራዊ ሓድነት ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ዘካየዶ ዑደት መልእኽቱ ንናይ ብዙሓት ህዋሳትን ሕልናን ተንኪፈን፡ ህዝቢ ኣብ ምልዕዓል ዝለዓለ ኣስተዋጽኦ ዘበርከተ ዜጋ እንተበልና ዝተጋነነ ኣይኮነን።

ነቲ ኣያናን፡ ሓውናን ዶ/ር ተወልደ ዝደኸመሉ ዕላማ ኣብ መዓልኡ ንምብጻሕ ከኣ ኩሉ ኤርትራዊ ካብ ዝሓለፊ ግዜ ብዝለዓለ ብተወፋይነት ኣብ ሓባራዊ ዕላማ ብሐድነት ክሰርሕ ንምሕጸን። ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓል ንዲሞክራሲዊ ለውጥን ፍትሕን ሰሜን ኣሜሪካ ንኣብ ሰሜን-ኣመሪካ ህዝቢ ጠርኒፈን ዘሎዋ 15 ከተማታት ብምምእካል፡ ንስድራ-ቤት ዶ/ር ተወልደ ተስፋማርያም ጽንዓት ክህቦም፡ ንነፍስሄር ዶ/ር ተወልደ ከኣ መንግስቲ ሰማያት ከዋርሶ፡ ምንዮትናን ጸሎትናን ነብጽሕ።

ጅግና ሓላፋይ ኢዩ! ታሪኹ ግን ዘለዓለማውን ነባርን ኢዩ!

ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓል ንዲሞክራሲዊ ለውጥን ፍትሕን – ሰሜን ኣሜሪካ
10/23/2014

ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ሕጂኸ ናበይ-?!

ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ሕጂኸ ናበይ-?!

እወ! እዛ ዓባይን ጥንታዊትን ቤተ-ክርስቲያን፥ ሕጂኸ ናበይ ኣቢላ’ያ ክትጐዝ ትደሊ ዘላ-? ዝብል ሕቶ ብምልዓል እቲ ጉዳይ ምርኣዩ ከድልየና እዩ። ከም-ዝፍለጥ እዛ ብቕድስና ዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ፥ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብተጽዕኖ ፖለቲካ ደኣ’ያ፥ ክትድፋእን ክትሰሓብን ዝጸንሐት እምበር፥ ባዕላ መደብ ሓንጺጻ ክትገብሮ ይግብኣ ዝነበረ ጉዕዞ፥ ተፈቐዱላ ነይሩ’ዩ ዝበሃል ታሪኽ የልቦን። እሞ ሕጂኸ ካብቲ ክግበረላ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ-ተጽዕኖ ነፃ ኮይና፥ ባዕላ ቤታ ከተመሓድር’ዶ ክትክእል’ያ-? ዝብል ሕቶ ብምልዓል ነቲ ጉዳይ ምርኣዩ ከድልየና እዩ።

እወ ኣብ 1983 ዓ/ም (1991) ማለት ከም ርእሳ-ዝኸኣለት ነፃ ቤተ-ክርስቲያን ክትቀውም ከላ፥ እቲ ጉዕዞ’ውን ‘ሀ’ ኢልካ ክጅመር ከሎ፥ ፖለቲካዊ-ሹመት ሒዙ ዝመጻ መራሒ ደኣ’ያ ክትቅበል ዝተገደደት እምበር፥ ባዕላ “…ይደልዎ…“ ኢላ ዝመረጸቶ ጳጳስ ከም-ዘይነበራ ክከሓድ ዘይከኣል ሓቂ’ዩ። ስለዚ እዛ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ እዚ ዝሓለፈቶ ዓመታት ኩሉ፥ ኣብ ባይታ ዘይነበረ ኣፍኣዊ ነፃነት ሒዛ ደኣ’ያ ክትጐዓዝ ዝጸንሐት እምበር፥ ቤታ ከተመሓድር ዘኽእላ መሰል ነይሩዋ’ዩ ክንብል ዘኽእለና መርትዖ፥ ክንረክብ ከም-ዘይንኽእል ኣረጋጊጽካ ክዝረብ ዝከኣል ሓቂ’ዩ።

ርግጽ’ዩ ንስለ ዘረባ እንተደኣ-ኮይኑ ሲኖዶስ ነይሩ’ዩ። ሕጂ’ውን ኣሎ። ብዘይ ዝኾነ መምዘንን መዐቀንን ወይ ክራይተሪያ ካብ ዝተመርጸ ሲኖዶስ፥ ዝኾነ ትጽቢት ክግበር ስለ-ዘይከኣል ግና፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ዋና ከም-ዘይብሉ ቤት ኩሉ ዝዕንድረላ-ሜዳ ኮይና’ያ ጸኒሓ እንተ-ተባህለ፥ ንምግናን ተባሂሉ ዝበሃል ዘሎ ኣይኮነን። እምበኣር እኩብ ድምር ናይዚ ዝተባህለ ኩሉ’ያ እዛ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ፥ ኣብዚ ሕጂ ትርከቦ ዘላ ኣዚዩ ዘሕዝን ኩነታት ወዲቓ ትርከብ ዘላ። እንሆ  ሕጂ ግና እግዚኣብሔር ብዓይኒ-ምሕረቱ ክጥምታ ቅዱስ-ፍቓዱ ግዲ ኮይኑ፥ እቲ ጸበባኣን ጸገማን ኣብ መድረኽ ቀሪቡ ክዝረበሉ፥ እዋኑን ሰዓቱን ዝበጽሐ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።

እዚ ድማ ስቕ ኢሉ ብኣጋጣሚ ዝኾነ ዘይኮነስ፥ እቶም ገዳማውያን-ኣቦታትና ብዝገበሩዎ ዕዉት-ተቓውሞ ምዃኑ፥ እቲ ካብ ኣሥመራ ዝመጽእ ዘሎ ዜናታት የረድእ ኣሎ። እወ! “ድሕሪ ሞት፥ ጥዕና ቅበጽ” ከም-ዝበሃል፥ እቶም ኣቦታት ቤተ-ክርስቲያን መጻወቲ ሓላፍነት ዘይስምዖም ውልቀ-ሰባት፥ ኣብ እትኾነሉ ደረጃ ወዲቓ ምስ-ረኣዩዋ፥ ዓይኖም ዓሚቶምን እዝኖም ዓጽዮምን ክቕመጡ ሕልንኦም ዝቕበሎ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ስለዚ’ውን ኣንጻር’ቶም ብቐጻሊ ንቤተ-ክርስቲያን ከዕንዉዋን ክፍርሱዋን ዝጸንሑ፥ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስን ሃብቶም ርእሶምን ዝተባህሉ ክልተ-ገበነኛታት ክልዓሉ፥ ንጽባሕ ዘይበሃል ኣዚዩ ኣገዳሲ ጉዳይ ኮይኑ ረኺቦሞ።

ብርግጽ እዞም ክልተ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ዓቐኑን መጠኑን ዝሓለፈ ብልሽውና ክፍጽሙ ጸኒሖም ተባሂሎም፥ ብቐጻሊ ክኽሰሱን ክውቀሱን ዝጸንሑ ውልቀ-ሰባት፥ ንልዕሊ ዓሠርተ-ዓመት ክፍጽሙዎ ዝጸንሑ ገበን ቈጺርካን ጸብጺብካን ዝውዳእ ኣይኮነን። እዚ ብኣታቶም ክፍጸም ዝጸንሐ ብልሹውን ግዕዙይን ኣሠራርሓ’ዚ ድማ፥ ንኽንድዚ ዝኣክል-ዓመታት ክቕጽል’ውን ይግብኦ ኣይነበረን። እቲ ብሲኖዶስ ዝፍለጥ ናይ ጳጳሳት-ጉባኤ፥ ኣብ ልዕሊኡ ዝተነብረ ረዚን-ሓላፍነት ክርዳእ ብዘይ-ምኽኣሉ ግና፥ እታ ብቕድስና ዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ቤተ-ክርስቲያን፥ ንከቢድ ሓደጋ ከም-እትጋለጽ ገይሩዋ ይርከብ ኣሎ። ስለዚ’ውን እቶም ጳጳሳት ካብቲ ገበን ነፃ ዝኾኑሉ ምኽንያት ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ከመይሲ”-ኣንብር ዝበሉዎ ኣየጥፍእ፥ ኣጸብቕ ዝበሉዎኸ ኣየኽፍእ-”  ዝብል ምስላ ምህላዉ ክፍለጥ ይግባእ።

ይኹን እምበር ነቶም ጳጳሳት ካብቲ ገበን ነፃ ክገብሮም ዘየኽእል ካልእ ምኽንያት’ውን ኣሎ። ነቲ ምስ ሕግን ሥርዓትን ቤተ-ክርስቲያን ዝኾነ ምፍላጥ ኣለዎ ዘይበሃል ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ፥ “-ዋና ኣማሓዳሪ-“ ብዝብል መዓርግ ኣብ ዘይግብኦን ኣብ ዘይምጥኖን መንበር ክቕመጥ ዝገበሩ ንሳቶም እዮም። ብተወሳኺ ኣብ ሥልጣን ደልዲሉ ንምቕማጥ ዘኽእሎ ባይታ ንምጥጣሕ’ውን፥ ሕጊ ቤተ-ክርስቲያን ክሳብ ምቕያር ዝበጽሕ ርሕቐት ከም-ዝተጓዕዙ፥ ኣብቲ ደምበ-ተዋሕዶና ነዚ ጉድ’ዚ ዘይፈልጥ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ስለዚ እቲ ግዙፍ-ኣካል ዝኾነ ዮፍታሔ፥ ከምኡ’ውን እቲ መሠርይ ዝኾነ ሃብቶም ርእሶም፥ በቲ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ክፍጽሙዎ ዝጸንሑ ብልሽውና’ኳ ተሓተቲ’ዮም እንተ-ተባህለ። እቶም ሓላፍነቶም ብምዝንጋዕ ነቲ ኩሉ ውድቀት ምኽንያት ዝኾኑ ጳጳሳት፥ ብዝለዓለ ደረጃ ተሓተትቲ ክኾኑ ከም-ዝግባእ’ውን ክዝንጋዕ ዘይብሉ ነጥቢ’ዩ። ከምዚ ምስ ተረኽበ ከኣ’ዩ “-ኣይበዲዶ እንዶ ዝቐደዶ-“ ተባሂሉ ክምሰል ዝኸኣለ።

እቲ ዝዓበየ እቲ ሲኖዶስ ዝገበሮ ገበን፥ ነቲ ተራ-ጭዋ ዝኾነ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ መተካእታ ፓትርያርክ ገይሩ፥ ኣብቲ ዝለዓለ መንበር ከቐምጦ ምእንቲ ክኽእል፥ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ መዓርጎም ኣውሪዱ፥ ሥልጣኖም ስዒሩ፥ ኣብ ማሕዩር ከምዝተሓዙ ዝገበሮ ገበን፥ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ተዋሕዶ ዝተፈጸመ ጥልመትን ክሕደትን እዩ። ስለዚ እቶም ገዳማውያን ኣቦታትና፥ ንተግባር እቶም ጳጳሳት ኣጸቢቖም እናፈለጡዎ ክነሶም፥ ከመይ ኣቢሎም’ዮም ሕጂ ነዚ ተላዒሉ ዘሎ ጉዳይ፥ ንሳቶም ደያኑ ኮይኖም ክዳንዩዎም ዝደልዩ ዘለዉ-?! “-ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎስ፥ ክመልሰለይ ነይኣምኖ-“ ዝብል ምስላ ምህላዉኸ ከመይ ኣቢሎም ክዝንግዕዎ ይኽእሉ-!! ከመይሲ እቶም ጳጳሳት በቲ ዝገበሩዎ ዕንወት ዝሕተቱ ኮይኖም እናሃለዉ፥ ብደረጃ ዳኝነት ኣብ መንበር ፍርዲ ዝቕመጡ ኮይኖም ክርከቡ፥ ብዝኾነ መዐቀኒ እንተ-ተራእየ ቅቡል ኮይኑ ዝርከበሉ ምኽንያት ኣሎ ኣይንብልን። ስለዚ እቶም ንሓላፍነት ብቑዓት ኮይኖም ብዘይ ምርካቦም፥ ተሓባበርቲ ዮፍታሔ ኮይኖም ዝጸንሑ -ጳጳሳት፥ በቲ ዝፈጸሙዎ ኩሉ ዝሕተቱ ደኣምበር፥ ንዳኝነት ዝሕሰቡ ከም-ዘይኮኑ ጸቒጥካ ክዝረበሉ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ፥ ነቶም ገዳማውያን-ኣቦታትና ከነተሓሳስቦም ግቡእና’ዩ።

ርግጽ’ዩ እቶም ገዳማውያን-ኣቦታት ብዝገበሩዎ ተቓውሞ፥ እቶም ከም መንድዓት ኣብ ክሳድ ቤተ-ክርስቲያን ተጻዒኖም፥  እቲ ኩሉ ብልሽውና ክፍጽሙ ዝጸንሑ ክልተ-ገበነኛታት፥ ተደፊኦም ክወጹ ምኽኣሎም ነቲ ደምበ-ተዋሕዶና ዓቢይ-ዓወት ምዃኑ ኣየከራኽርን። ይኹን እምበር እቲ ዝዓበየ ሥራሕ እቲ ብድሕሪ’ዚ ስዒቡ ዝመጽእ መድረኽ ምዃኑ፥ ክዝንጋዕ ዘይግብኦ ነጥቢ’ዩ። ማለት ንድሕሪት ተመሊስካ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተፈጸመ ኩሉ ክዝከር ከሎ፥ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ብማዕበል-ፖለቲካ ተደፊኡ’ዩ ናብ ቤተ-ክርስቲያን ክኣቱ ዝኸኣለ። ሕጂ ግና እቲ ትማሊ ዝተፈጸመ ግህሰት-ሕጊ፥ ሕጂ ከም-እንደገና ክድገም ዝደሊ የልቦን። ስለዚ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ነፃ ኮይና ቤታ ከተመሓድር ዘለዋ መሰል ክኽበረላ ኣለዎ። ካብኡ-ዝተረፈ ካብ ሕጂ ንደሓር እቲ ደምበ-ተዋሕዶና፥ ንዝኾነ ዝግበር ኢድ ምትእትታው ዝጻወር ኮይኑ ክርከብ ከም-ዘይግባእ፥ ኣብ ኣደባባይ ወጺእካን ድምፅኻ ዓው ኣቢልካን ክዝረበሉ ዝግባእ ጉዳይ ምዃኑ፥ ክዝንጋዕ ኣይግባእን።

ርግጽ’ዩ እቶም ክብደት-ሓላፍነት ይርድኦም’ዩ ዘይበሃሉ ጳጳሳት፥ ምስ ዮፍታሔ ተሓባቢሮም ነቶም ንሕማቕ-መዓልቲ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ተባሂሉ ዝእመነሎም ዝነበሩ ሊቃውንቲ ስለ-ዘጥፍኡዎም፥ ሎሚ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ብዘይ-ሰብ ገረውረው ኢሉ ከምዘሎ፥ ዝስሕቶ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። እቶም ብሕይወት ኣለዉ ዝብሃሉ ዝርካቦም ድማ፥ ገሊኦም ንመቝሕ ኣሕሊፎም ሂቦሞም ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ክርከቡ ከለዉ፥ እቲ ዝበዝሕ ክፋል ድማ ኣብ ስደት’ዩ ዝርከብ ዘሎ። እቲ ዝተዓጻጸፈ ቁጽሪ ዘለዎ ዉሉደ-ክህነትና ከኣ ከምኡ፥ እቲ ሲኖዶስን ዮፍታሔን ሓባርን ተሓባባርን ብምዃን፥ ተሰካም ጠበንጃ ኮይኑ ኣብ በረኻ ከም-ዝበሊ እናገበሩዎ’ዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ብኣንጻሩ ኣብያተ-ክርስቲያናትና ድማ ዘገልግለን ሲኢነን ዝዕጸዋ ዘለዋ ብዙሓት’የን።

ብዝኾነ “-ጭራ-ነብሪ ኣይትሓዝ፥ እንተ ሒዝካኸ ኣይትልቀቕ-“ ከምዝብሃል፥ እዚ ጉዳይ’ዚ ዮፍታሔን ሃብቶም ርእሶምን ስለ-ዝተሰጉ ጥራይ፥ ዕግበት ተሰሚዑና ክንሓድጎ ዝግበኣና ጉዳይ ኣይኮነን። እቲ ዝዓበየ ሕቶና ሕቶ’ቶም ንዓሠርተ-ዓመት መመላእታ፥ ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ዘለዉ ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስ’ዩ ክኸውን ዝግባእ። እዚ ከኣ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ እነእትዎ ጉዳይ ክኸውን ኣይግባእን። ይኹን እምበር ምስ ሕቶ ምፍታሕ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣተሓሒዝካ ክርአ ከሎ፥ ናይ ዮፍታሔን ሃብቶምን ምስጓጕ ኣብ ግምት እነእትዎ ጉዳይ ኣይኮነን። እቲ ዝዓበየ ሕቶና ምፍታሕ እቶም ፓትርያርክ’ዩ ክኸውን ዝግባእ። እዚ ኸኣ’ዩ እቲ ዝዓበየ ደምበ-ተዋሕዶና ትዅረት ክገብረሉ ዝግባእ ዓቢይ-ጉዳይ።

ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ንጎቦ ኣቐሚጥካ ክመጽእ ዝኽእል ፍታሕ’ውን ኣሎ ኣይንብልን። ከመይሲ እቲ ንጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣብጺሑዎ ዝርክብ ዘሎ፥ እቲ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ነቶም ጳጳሳት ከም መጋበሪ ብምጥቃም፥ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ መንበሮም ክወርዱ ዝገበሮ ሰይጣናዊ-ውዲት እዩ። ስለዚ “ብዓመጽ ዝተወስደ፥ብፍትሒ ይመለስ“ ከምዝበሃል፥ ሕጂ ድማ እቲ ዝዓበየ ሕቶና ሕቶ “-ፓትርያርክ-እንጦንዮስ-“ ደኣምበር፥ እቲ ንዮፍታሔን ሃብቶምን ንምስጓጕ ዝተወስደ ስጉምቲ፥ ካብዚ ዓቢይ ጉዳይ’ዚ ኣውጺኡ ከዘናግዓና ዝግብኦ ኣይኮነን። ከመይሲ መንገዲ ገዲፍካ ብጓል-መንገዲ ዓዲ ክእቶ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ካብ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ወጻኢ ዝተገብረ ዘይ-ቀኖናውን ዘይ-ሕጋውን ምርጫ-ፓትርያርክ ኣባ-ዲዮስቆሮስ፥ “-ልቐቕ  ዘይ-ርስትኻ፥ ውረድ ዘይ-በቕልኻ-“ ከምዝበሃል፥ እቲ መንበር ናብቶም ሕጋዊ-ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስ ክምለስ ክኽእል ኣለዎ።

ብዝተረፈ ጠቕላላ ኩነታት ቤተ-ክርስቲያንና፥ ኣብ ትሕቲ ጽላሎት ከቢድ-ሓደጋ ይርከብ ምህላዉ እናተፈልጠ ከሎ፥ እቲ ብልቦና ዘይፍለጥ ዮፍታሔን፥ እቲ መሠርይ ዝኾነ ሃብቶምን ስለ-ዝተሰጉ ጥራይ፥ ከም ሓደ ዓቢይ-ዓወት ቈጺርና እፎይታ ክስመዓና ኣይግባእን። ከመይሲ እዛ ንዓመታት ተጨውያ ትርከብ ዘላ ቤተ-ክርስቲያንና፥ እቲ ዋናኣ ዝኾነ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ኣብ ኢዱ ክርከባ ክኽእል ኣለዎ። ብዝተረፈ ኣብ ኢድ ዘይ-ዋናታት ስለ-ዝጸንሐት እኮ’ዩ፥ እዚ ኩሉ ውድቀትን ዕንወትን ክርከብ ክኢሉ ዘሎ። ስለዚ’ውን እቶም ሰብ-ፖለቲካ ነዚ ጉዳይ’ዚ ብልቦና ክጥምቱዎ እንተዝኽእሉ፥ ክንደይኮን ከመስግኖም ምኸኣለ ነይሩ-!!

እምበኣር ከምቲ ኣብ ኣርእስቲ እዚ ጽሑፍ’ዚ ተባሂሉ ዘሎ፥ ጉዕዞ ቤተ-ክርስቲያን ሕጂኸ ናበይ-? ዝብል ሕቶ፥ ኩሎም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ክምልሱዎ ዝግብኦም ምዃኑ፥ ክዝንግዕዎ ኣይግባእን። ከመይሲ ንልዕሊ ዕሥራ-ዓመት ካብቲ ክትጐዓዞ ዝግብኣ መሥመር ወጻኢ፥ ሪሒቓ ክትከይድ ጸቕጢ ክግበረላ ስለ-ዝጸንሐ፥ በዓል-ዮፍታሔ ናብ ዝወሰዱዋ ክትጉተት ከም-ዝጸንሐት ዝፍለጥ እዩ። ሕጂ ግን ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት እቲ ናይ ትማሊ ጌጋ ክድገም፥ ክንጻወሮ ዘይንኽእል ምዃንና ድምጽና ኣበርቲዕና ከነስምዕ ክንክእል ኣሎና። ኩሉ ነገር ወሰን ስለ-ዘለዎ’ውን “-ይኣክል-“ እንብለሉ ግዜ ሕጂ’ዩ።

ሊቀ-ካህናት ተክለማርያም ምርካጽዮን
ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ

እዋናዊ ጽሑፍ ኤርትራውያን ኣብ ገምገም ቀይሕ መስመር!

እዚ ጽሑፍ ኣብ ወሰናስን መሬት ኢትዮጵያ ከባቢታት ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ኮይነ እየ ዝጽሕፎ ዘለኹ፡፡ ብርግጽ ካብ ጫፍ ድብ ኤርትራ ካብ ከባቢ ኣርብዓ ኪሎ ሜተር ኣይርሕቕን ኢዩ፡፡

PDF: ምሉእ ትሕስቶ…