ፖሊስ ጀርመንን ጥልያንን መዓሾ ተስፋማርያም ዝርከቦም 11 መሰጋገርቲ ሰባት ከምዝኣሰሩ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ሓቢረን።

ፖሊስ ጀርመንን ጥልያንን መዓሾ ተስፋማርያም ዝርከቦም 11 መሰጋገርቲ ሰባት ከምዝኣሰሩ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ሓቢረን።

ፖሊስ ጀርመንን ጥልያንን፣ ሊብያ መዋፈሪኦም ገይሮም፣ ክሳብ 3 ሽሕ ዶላር ንሓደ እናኣኽፈሉ ልዕሊ 20 ስደተኛታት ዝሓዛ ጀላቡ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ዓዲ ጥልያን ከሰጋግሩ ምጽንሖም ዝኸሰሱዎም፣ 29 ዓመት ዝዕድሚኡ ኣብ ጀርመን ዝምቕማጡ መዓሾ ተስፋማርያም ዝተባህለ ኤርትራዊ ዝርከቦም 11 ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ስደተኛታት ከምዝኣሰሩ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ሓቢረን።

እዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ዘለዉ ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ፣ ኣብ ምፍናው ናይታ ብ27-28 ሰነ ናይዚ ዓመት’ዚ 244 ስደተኛታት ጽዒና ካብ ሊብያ ድሕሪ ምብጋሳ፣ ሃለዋታ ጠፊኡዎም ስድራቤት ናይቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝኾኑ ተሳፈርቲ ክጭነቑ ዝጸንሑ፣ እንተኾነ ብመሰረት እዚ ሓበሬታ ‘ዚ ኣብ ወሽመጥ ሲሲልያ ምጥሓላ ዝንገረላ ዘሎ ጃልባ ኢድ ከምዘለዎም ከምዝጥርጠሩ እቲ ዜና የመልክት።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ መዓሾ ተስፋማርያም ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ምስ ሰገረ ኣብ ጀርመን ተታሒዙ ብመርመርቲ ፖሊስ ድሕሪ ምልፍላፉ፣ ኣብ ዓዲ ጥልያን፣ ካብ ሲሲልያ ክሳብ ሮማ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብፖሊስ ተታሒዞም ዘለዉ ብዕድመ ኩሎም መንእሰያት ምዃኖም ዝእመነሎም ኤርትራውያን ጥርጡራት ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ እዞም ዝስዕቡ እዮም።

ዓብደለጢፍ መሓመድ

ማሓመድ ስዒድ ማሓመድ ካር

ክብሮም ካሕሳይ

ዑመር ኢብራሂም

ማርሳላ ክብሮም ካሕሳይ

ፍሊጶስ ኣብርሃ

ዓሊ ዓብደላ ማሓመድ

ኤፍሬም ጎይቶኦም

ሓደ ንገዝኡ መጽንሒ ናይቶም ናብ ሰሜን ኤውሮጳ ዝሰግሩ ስደተኛታት ገይሩ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ዓንደብርሃን የማነ ዝተባህለ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝነበር ሰብ ‘ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ‘ሎ።

እዚ ሓበሬታ እዚ ርጉጽ እንተደኣ ኮይኑ፣ እዚ ዜና ‘ዚ፣ እታ ብ 27/28 ሰነ ካብ ሊብያ ምስ ተበገሰት ኣበይ ከምዝኣተወት ሃለዋታ ኣጥፊኣ ዝጸንሐት ዝበዝሑ ካብቶም 244 ተሳፈርታ ኤርትራውያን ምዃኖም ዝእመነሎም ስደተኛታት ሒዛ ዝነበረት ጃልባ ከምዝጠሓለት ዝእምት ናይ መጀመርያ ወግዓዊ መርድእ እዩ።

ድሕሪ ህልቂት ናይቲ ኣብ ላምፐዱዛ ዘጋጠመ 367 ኤርትራውያን ኣብ ሓደ እዋን ዘህለቐ ትራጀዲ፣ በብጉጅለ ይኹን ብውልቂ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ክጠፍኡ ‘ኳ እንተጸንሑ፣ እዚ ድሕሪ ፍጻሜ ላምፐዱዛ ዝዓበየ ጃምላዊ ቅዝፈት ኤርትራውያን ምዃኑ ድማ ይእመን።

 

ካብ ኣሰና

ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ሕጂኸ እንታይ ክግበር’ዩ ዝድለ ዘሎ-?!

ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ሕጂኸ እንታይ ክግበር’ዩ ዝድለ ዘሎ-?!

ንኹሉ ገጊዚኡ ኣለዎ ከም-ዝበሃል፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዛዕባ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና፥ ብዙሕ ክዝረብን ክጸሓፍን ይስማዕ ኣሎ። እቲ ምዝራብን ምጽሓፍን ግን ሕጂ ዝተጀመረ ኣይኮነን። በብእዋኑ ብዙሕ ክበሃል ጸኒሑ’ዩ። ዓገብ-!! ዝተባህለሉ ግዜ’ውን ውሑድ ኣይኮነን። ክሰምዕ ዝኽእል

እዝኒ ግን ክርከብ ኣይተኻእለን። ስለዚ ድማ’ዩ ጉዳይ’ዛ ጥንታዊት ዝኾነት ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ፥ ብቐጻሊ ዓቢይ መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ዝርከብ ኣሎ። እቲ ዘሎ እኩብ ድምር ጸገማት መልሲ ክረክብ ክሳብ ዘይተኻእለ ከኣ፥ እቲ ብደቂ ቤተ-ክርስቲያን ዝግበር ኣውያት፥ ከቋርጽ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ከቋርጽ’ውን ኣይግብኦን።

ከም-ዝፍለጥ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት፥ እቶም ገዳማውያን-ኣቦታት ብዘልዓሉዎ ተሪር ተቓውሞ፥ እቶም ከም መንድዓት ኣብ ዝባን ቤተ-ክርስቲያን ተቐሚጦም ዝጸንሑ፥ ዮፍታሔ-ዲሜጥሮስን ሃብቶም-ርእሶምን ዝተባህሉ ክልተ  ውልቀ-ሰባት። ካብቲ ብቐጻሊ ከፍርሱዎን ከዕንዉዎን ዝጸንሑ ደምበ፥ ተደፊኦም ክወጹ ከም-ዝተገደዱ ብመራኸቢ-ብዙኃን ክንሰምዖ ጸኒሕና ኢና። እዚ ድማ ንቤተ-ክርስቲያንና ዓቢይ-ዓወት ስለ ዝኾነ፥ ብኹሉ ወገን “ኣሜን ወኣሜን” ዝብል ድምፂ ክቃላሕ ቀንዩዎ እዩ። እወ እዞም ከም ክልተ-ቁርዲድ ዝምሰሉ እኩያን፥ ነቲ ኩሉ ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ ዓሰርተ-ዓመት ክፍጸም ዝጸንሐ ዕንወት፥ ብሓላፍነት ዝሕተቱሉ ስለ ዝኾኑ፥ እቲ ናታቶም  ምውጋድ ከም ሓደ ዓቢይ-ጾር ካብ ዝባን ቤተ-ክርስቲያን ዝወረደ ጌርካ፥ ክውሰድ ዘይግብኦ ኣይኮነን።

ይኹን እምበር ብናይ’ዞም ዝተባህሉ ክልተ ውልቀ-ሰባት ካብቲ መንበረ-ፓትርያርክ ምውጻእ ጥራይ፥ እቲ ጸገም ተፈቲሑ ወይ እቲ ሕቶ መልሲ ተረኺቡዎ’ዩ ማለት ኣይኮነን። ከመይሲ ንሳቶም ክልቲኦም ሓደ ክፋል ናይቲ ጸገም ደኣምበር፥ ክሉ እቲ ጸገም ንሳቶም’ ዮም ነይሮም ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ሕቶ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ናይ “ ነፃነት” ሕቶ ደኣምበር፥ ውልቀ-ሰባት ሰጉጕካ ካልኦት ብምትካእ ዝግበር ጸወታ፥ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ክቕበሎ ዝኽእል ከም-ዘይኮነ፥ እቲ ንቤተ- ክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሩ ሒዙዋ ዝርከብ ዘሎ ፖለቲካዊ-ኃይሊ፥ ክርድኦ ዘለዎ ሓቂ’ዩ በሃልቲ ኢና። ነዚ ሓቂ’ዚ ዘሊልካ ክኽየድ ዝኽእል ካልእ መንገዲ ምህላዉ ድማ ኣይረኣየናን።

ብዝተረፈ “ዓርኪ ሰባር ነቓዕ” ከም-ዝበሃል፥ ንዮፍታሔን ንሃብቶምን ሰጕጎም ካልኦት ንዓታቶም ዝመስሉ ካብ ጽርግያ ኣኻኺቦም  እንተ’ምጽኡ፥ ቤተ-ክርስቲያንና ንከምዚ ዝኣመሰለ ዓይነትን ጽሬትን ዘይብሉ ኣቕሓ መራገፊት ክትከውን፥ ሕራይ በሃሊት ከም-ዘይኮነት ክንገሮም ግቡእ’ዩ። ከመይሲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ናይ ሕዝቢ-ተዋሕዶ እምበር፥ ካልእ ዋንኣ’የ ክብል ዝኽእል ኣካል ዘለዋ ኣይኮነትን። ስለ-ዝኾነ ድማ መጻኢ ዕድላ ክውስን ዘለዎ፥ እቲ ብጸጋ-ጥምቀት ካብ ማሕፀና ዝተወልደ ሕዝቢ-ተዋሕዶ እምበር፥ ማንም ተላዒሉ ክሸይምን ክስዕርን ዝኽእል ኣካል ክህሉ፥ ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶ ዘፍቅድ ኣይኮነን። እዚ መሰል’ዚ ከኣ ብኃይሊ ተመንዚዑ ክውሰድ ዘይከኣል ምዃኑ፥ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ክርአ ጸኒሑ’ዩ። ከምኡ እንተ-ዘይከውን ነይሩ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ፥ ካብ ብዙሓት መገባእያታት-ዓለም መንጸግትን ተነጽሎን ኣጋጢሙዎ ክስጎጕ ኣይምጸንሐን።

እዚ ድማ ዓቢይ ትምህርቲ ክኸውን’ዩ ዝግባእ ዝነበረ። እዚ ሕጂ ኣብ ኣሥመራ ክግበር ዝርአ ዘሎ፥ ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ኢድካ ጣልቃ-ብምእታው ክግበር ዝድለ ጸወታ ግን፥ “-ሌባ! ሌባ! እንተበልዎስ፥ ልዋ ልዋ ዝበሉዎ ይመስሎ-” ከም ዝበሃል ክኸውን እንተ-ዘይኮይኑ፥ ቤተ-ክርስቲያን-ተዋሕዶ ትማሊ ብበዓል ዮፍታሔን ሃብቶምን ዝተመዝበረቶ ከይኣክል፥ ሕጂ ድማ ካብኣቶም  ዘይሕሹ ካልኦት ውልቀ-ሰባት ብምትካእ፥ ነቲ ክግበር ዝጸንሐ ፖሎቲካዊ-ጸቕጢ ክቕጽልዎ ምድላዮም፥ እቲ ሕጂ ኣብ ደምበ-ተዋሕዶ ተበጺሑ ዝርከብ ዘሎ ደረጃ ንቕሓተ-ሕሊና፥ እምበርዶ ክዕቅኑዎ ዘኽእል ሚዛን ኣለዎም’ዩ ዘየብል ኣይኮነን። ብዝተረፈ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ማንም ኢዱ ዘይመልሰላ ነፃ ቤተ-ክርስቲያን ክትህልዎ ደኣምበር፥ ንዝኾነ ዝግበር ፖሎቲካዊ ጸቕጢ ተጻዊሩ ክኸይድ ዝደሊ ከም-ዘይኮነ፥ እቲ ብውሽጥን ብደገን ዝግበር ዘሎ ተቓውሞ እኹል መረድኢ’ዩ።

ብዝተረፈ እቲ ንልዕሊ ዕሥራ-ዓመት ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክግበር ዝጸንሐ ፖሎቲካዊ-ጸቕጢ፥ እወንታዊ ውጽ ኢት ከምጽእ ከም-ዘይከኣለ እናተፈልጠ ከሎ፥ ነቲ ዝሓለፈ ጌጋታት ብምድጋም ነቲ ዋናን በዓል-ቤትን ዝኾነ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ኣግሊሉ፥ እቲ ናይ ፖለቲካ-ኃይሊ ዝሽይምን ዝሥዕርን ኮይኑ ክርከብ፥ ብዝኾነ መዐቀኒ ቅቡል’ዩ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ’ውን “ናይ ቄሣር ንቄሣር፥ ናይ ኣምላኽ ድማ ንኣምላኽ” ብምባል ኣቐሚጡዎ ኣሎ። ኣብቲ ሕግን ሥርዓትን ዘለዎ ኩሉ ድማ፥ እዚ ደረት’ዚ ክጠሓስ ዝግብኦ ኣይኮነን። ኣባና ግን እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካዊ-ኃይሊ፥ ነዚ ናይ ሕጊ ደረት’ዚ ኣኽብሮት ዘለዎ ኮይኑ ስለ-ዘይተረኽበ፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ብሳንቡእ-ፖለቲካ ከተተንፍስ ተፈሪዱዋ ትርከብ ኣላ። ብኸምኡ ክትቅጽል ትኽእል’ያ ዝብል እምነት ግን የብልናን።

ብዝኾነ እቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ተመሪጾም ዝበሃሉ ዘለዉ፥ እንታዎት ምዃኖም ብዘየገድስ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ክቕበሎም ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ነቲ ምርጫ’ውን ኣፍልጦ ክህቦ ይኽእል’ዩ ኣይበሃልን። ከመይሲ ናቱ ውክልና ረኺቦም ዝተመርጹ ኣይኮኑን። በዚ ምኽንያት’ዚ ሕጊ ቤተ-ክርስቲያን ብምትሕልላፍ ዝተገብረ “ሹመት” እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ናትና’ዩ ኢሉ ኣፍልጦ ዝህቦን ዝቕበሎን ኣይኮነን። ስለዚ’ውን እዚ ከምዚ ዝበለ ኣሠራርሓ ንልዕሊ ዕሥራ-ዓመት ዝተመኮርናሉን ዝላደናሉን ስለ ዝኾነ፥ በዚ ክዕሾን ክታለልን ዝኽእል ወዲ ቤተ-ክርስቲያን ዝርከብ ኣይመስለናን። የግዳስ እቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝጸንሖም ጌጋ ርድኢት፥ ክእርሙዎ እንተ-ዝኽእሉ ክንደይ ደስ ምበለና። ከመይሲ እዛ ቤተ-ክርስቲያን እዚኣ፥ ካብቲ ቅድሚ ዕሥራ-ዓመት ዝነበረቶ ብብዙሕ መዐቀኒ ፍልይ ዝበለት፥ ማለት ብኽብሪ ከጠምታ ዝኽእል ሞያዊ-ዓቕሚ ዘለዎ ውሉደ-ክህነት፥ ከተዋህልል ዝኸኣለት ምዃና ክፍለጥ ዘለዎ ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ንእግዚኣብሔር ክብርን ምስጋናን ይኹኖ-!! ኣብ ዓለም-ለኸ መድረኻት ወጺኦም ክዋስኡ ዝኽእሉ፥ውሉደ-ክህነት ኣለዉና ኣብ እንብለሉ ደረጃ በጺሕና ንርከብ ስለ-ዘሎና፥  ንማንም ከነሸግር ድሌትና ኣይኮነን። ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ንሕዝቢ-ተዋሕዶ እምበር፥ ንማንም ካልእ ይምልከቶ’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን። ስለ’ዚ ድማ ኢና እቲ ኣብዚ እዋናት’ዚ፥ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብዝምልከት ኣብ ኣሥመራ ዝግበር ዘሎ ጉባኤታት፥ ብተጽዕኖ-ፖለቲካ ይግበር ብምህላዉ ናትና’ዩ ኢልና ክንቅበሎ ዘይንደሊ። ከመይሲ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመታት ኩሉ፥ ኣብቲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ክዋስኡ ዝጸንሑ ናይዝጊ ክፍሉን ደራጎን ኃይለ-መለኮትን እዮም። ሕጂ ድማ እቶም ነቲ መድረኽ ተቘጻጺሮሞ ዘለዉ፥ ኣብርሃ ካሣን ሠመረ በይንን ምዃኖም’ዩ ዝንገረና ዘሎ። ነዚ ኸኣ ብዝኾነ ተኣምር ሕዝቢ ተዋሕዶ ክቕበሎ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን።

ርግጽ’ዩ ንከም በዓል ኣቡን-ሉቃስ ዝኣመሰሉ ሒዝካ፥ ብዙሕ ክፍተን ይከኣል ይኸውን’ዩ። እዚ መንገዲ’ዚ ግን ከኽይድ ዝኽእል መንገዲ ኣይኮነን። ከመይሲ ሕዝቢ-ተዋሕዶ እዚ ጸወታ’ዚ ከብቅዕ ኣለዎ’ዩ ዝብል ዘሎ። ንበዓል ኣባታት  መጋበሪ ብምግባር ብዙሕ ክግበር ከም-ዝጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ። እዚ ግን ትማሊ እምበር ሎሚ ክሠርሕ ዝኽእል ኣይኮነን። ከመይሲ ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ንሕዝቢ-ተዋሕዶ ጥራይ’ዩ ዝምልከት፥ ብሕዝቢ ተዋሕዶ ጥራይ’ውን ይውሰን። ዝሰምዕ እዝኒ ስለ-ዝተሳእነ እንተ-ዘይኮይኑ ኣብ 1989 ዓ/ም(1997) ኣቢሉ’ውን፥ እቶም ዓቢይ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ኣቦ፥ ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ገና ካብ ኣሥመራ ከይወጹ ከለዉ፥ ዝተዛረቡዎ ዘረባ ምንባሩ ክዝከር ግብእ’ዩ። ንሱ ድማ “ ታተ እናበለ ዘሳልየና እምበር፥ ክሕንግረኩም ዝብለና ኣየድልየናን እዩ” ብምባል፥ ንናይ ፖለቲካ ኢድ ምእታው ከም-ዝተቓወሙዎ ዝፍለጥ እዩ።

ብተወሳኺ እቲ ካብ 2 ክሳብ 8 ሓምለ 2014፥ ኣብ ጀነቫ ስዊስ-ዘርላንድ ተጋቢኡ ዝነበረ፥ ናይ ዓለም ኣብያተ-ክርስቲያናት ጉባኤ። ንናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ብዝምልከት፥ኣብ ኣጀንዳ ኣእትዩ ከም-ዝተዘራረበሉን፥ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስ ካብ ማሕዩር ክልቀቑን ከም-ዝጸውዐ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ ከም-ዘይሰማዕካ ኮንካ ክሕለፍ ዝከኣል ኣይኮነን። ሕዝቢ-ተዋሕዶ’ውን እዚ ሕቶ’ዚ ክምለሰሉ ደኣ’ዩ ዝጽበ ዘሎ እንበር፥ ሕጂ ከም-እንደገና እቶም ሰብ-ፖለቲካ ነቲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን፥ ዝቈጻጸሩዎ ኮይኖም ክርከቡ ዝሰማማዓሉን ዝደልዮን ከም-ዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ።

ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ዕሥራ-ዓመት፥ ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ዝተፈጸመ ግህሰተ-ሕጊ፥ ብውሑዳት ቃላት ገሊጽካ ይውዳእ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ሕጂ እቲ ጌጋ’ቲ መሊሱ ክድገም ዝደልዮ ዋላ ሓደ’ኳ የልቦን። ስለ-ዝኾነ ድማ ሕጂ እዚ መሰል’ዚ ክኽበረልና ከም-እንደሊ፥ ተቢዕና ብምቅላስ ከነረጋግጾ ክንክእል ኣሎና። ብዝተረፈ ንኹሉ እወ! ንኹሉ ከኣ ሕራይ! እናበልካ ክኽየድ ዝጸንሐ መንገዲ፥ ኣብ ልዕሊ’ቲ ቅዱስ-ሃይማኖትና እንታይ ሳዕቤን ከም-ዘኸተለ ብግልጺ ዝርአ ዘሎ  እዩ። እቲ ዝሓለፈ ከይኣክል ድማ፥ ሕጂ’ውን እቲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ዝዋስኡሉ ዘሎዉ፥ ንሳቶም እቶም ናይ ትማሊ እዮም። ስለዚ እቶም ትማሊ ዘፍረሱን ዘዕነዉን ሕጂ ሓነፅቲ ኮይኖም ክርከቡ ስለ-ዘይክእሉ፥ ይኣክል-!! ምባል ክንክእል ኣሎና። ብዝተረፈ እቲ ዋናን በዓል ቤትን ዝኾነ  ሕዝቢ-ተዋሕዶ ከሎ፥ በዓል ኣቡን-ሉቃስ ዝዕንድሩሉ መድረኽ ክህሉ ኣይግባእን። ስለዚ’ውን እቶም ብውሽጢ ኮይኖም ዝቃለሱ ዘለዉ ገዳማውያን-ኣቦታት፥ እቲ ቃልሲ ክዕወት እንተ-ደኣ ኮይኑ፥ ሓገዝ ኩላትና ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ከም-ዘድሊ ክንዝንግዕ የብልናን። እግዚኣብሔር ከኣ ዝተመስገነ ይኹን!!

ካህን ተክለማርያም ምርካጽዮን

ናይ ኤውርጳ ሃገረ-ስብከት ሊቀ-ካህናት

ቆለን ስኽራንን ኤርትራውያን!

ቆለን ስኽራንን ኤርትራውያን!

ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ 01 ታሕሳስ 2014

ስኽራን የዕብድ’ዩ። የጻልእ፡ የዘናብል’ውን ኢዩ። ስኽራን ሓው ምስ ሓው የባእስ፡ ምስ ፈጣሪ የራኽስ። የኽስር፡ ኣማስይኡ ከኣ ናብ ሃው ዝበለ ገደል የጽድፍ። ስኽራን ኤርትራውያን ናብ ዘይሽረጥ፡ በዓል 44 ቆለ (ዛርቲ) ካብ ዝቕየር ድማ ኣይወሓደን። እዋሓስ፡ አግብእ! ስኽራን ብኢሳይያስ’ምበኣር ኣማስይኡስ ምጽናት ሃገርን ህዝቢን ደኣ ኮነ።

ወይ መስደምም! ‘ነዚ ክትግዕታ’ዶ ትርህጻ’ ከም ዝበሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኣራዊት ንክጠፍእ፡ ኣብ ገዛእ ደጎሉ ኣሰለት ኣዕብዩ ከይኣክል፡ ዳሕራዩ ዝኸፍአ ከኣ፡ ከም በዓል ዛርቲ ደቁ ኣብ ባሕሪን ምድረ-በዳን እናሃለቑ ስእሊ ኢሳይያስ ሓንጊጡ ይስዕስዕን ይቆጻጸን። እዚ ተግባር’ዚ ርእሰ ቅትለት ኢዩ።

ኣሰለት እታ ኣብ ለሰታት ጋሽ ሳሕቲ ግዜ እትረአ ደም እናሰተየት እትነብር ገበል መሰል እንስሳ ኢያ። ንሰብ ብከምዚ ኣብዚ ስእሊ ናይ ኣቶ ዓብዱ ንርእዮ ዘለና ትጥምጠሞ’ሞ፡ ደሙ ሰትያ ትቀትሎ ነበረት። ቀደም ግዜ መብዛሕትኦም ሰብ መታሕት፡ ካራ ዓጢቖም ንክኸዱ ይግደዱ ነበሩ። እቲ ተባዕ ሰብ፡ ኣሰለት ምስ ተጠምጠመቶ፡ ካራ መዚዙ ኢዩ ዝቖርጻ ዝነበረ። ስለዚ ነዚ ደም ህዝቢ ዝሰቲ ዘሎ ኣሰለት ሃገርና ደኣ ሎሚ መን ይበድሃዮ?

እቶም ብዛዕባ ኣሰለት ብዙሕ ኣፍልጦ ዘይብልኩም ዳሕረዎት ወለዶና፡ ንሰብ ጋሽ ባርካ ሕተቱ። ኢሳይያስ ብደም ኤርትራውያን ጎጽጊጹን ብኣዕጽምቲ ጀጋኑና መዊጹን ካብ በረኻ፡ ናብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ዝኣተወ ኣሰለት ህዝብና ኢዩ። እነሆ ክሳብ ሎሚ ብድሕሪ ናጽነት እውን ደም ንጹሃት ደቂ ኤርትራ እናሰተየ ይነብር ኣሎ። መሲሉና! እወ መሲሉና ኢሳይያስ ብኤርትራን ህዝባን ዝቑርቆር፡ መሲሉና ኢሳይያስ ያኢ ጓሳ ህዝቢ ዝኸውን!

እቲ ዘሕዝን ግን፡ ኤርትራውያን ብዝናን ምልኪን ኢሳይያስ ካብ ዝሰኽሩ ፍርቂ ዘመን ኮይኑ ኣሎ። ወላ’ኳ ኣብዚ ግዜ’ዚ ብዙሓት ዜጋታት ካብ ስኽራን ተገላጊሎምን ካብቲ ሕሱም በዓል ሽራራ ቆለ ተሸሪጦምን እንተሃለዉ፡ ዛጊት ዘለዉ ሰኽራማትን ሰብ ዛርቲን ግን ውሑዳት ኣይኮኑን። ወዲ ሰብ ንገለ ሰዓታት ወይ መዓልታት፡ እንተነውሐ ከኣ ንሰሙናት ክሰክር ይኽእል ይኸውን። ስኽራን ኤርትራውያን ግን ገደብ ዝሰኣነ፡ መመሊሱ ዝእለኽ ኮሮንሾን ቡቕሊን ኢዩ።

ስኽራን ብመስተ ጥራይ ኣይኮነን ዝረአ። ሰባት ብሓጎስ፡ ብሽመት ይኹን ብሃብቲ ይሰኽሩ ኢዮም ክበሃል እንከሎ፡ መወዳእታ ኣለዎ። ሰባት ብመስተ እንተሰኸሩ’ውን፡ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ይበንን ኢዩ። እቲ ዝኸፍአ ስኽራን ግን፡ ከምዚ ስኽራን ኤርትራውያን ብባዶ ዝና ኢሳይያስ ኢዩ። ኣብ ውልቀ ሰባት ዝፍጠር ገደብ ኣልቦ እምነትን ምልኪን ከምዚ ኤርትራን ህዝባን ረኺቦሞ ዘለዉ ርካብ ኢዩ ዘስዕብ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም፡ ብዙሓት ምንም ምስ ስርዓት ህግደፍ ረብሓ ዘይብሎም ኤርትራውያን፡ ህዝቢ እናጸነተን ሃገር እናጠፍአትን ንተግባራት ኢሳይያስ እናረኣዩ ገና ዝሰኸሩ ምህላዎም ኢዩ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብስዉር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣግሂዱ ኣብ ርእሲ ኤርትራውያን እናኣሽካዕለለ፡ ገና ብኢሳይያስ ዘጉርዑ፡ ዘይተሸረጡ ሰብ ቆለ ብዙሓት ኣለዉ።

ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘለዎ ንዕቀት፡ ብዘየዳግም ቃላት ኣግሂዱ ነጊሩና ኢዩ። እዚ ከኣ ንሕና ካብ ዝሃብናዮ ናእዳ ዝተበገሰ ኢዩ። ‘ደርሆ ጻሕቲራ-ጻሕቲራ መሕረዲኣ ተውጽእ’ ከም ዝበሃል፡ ኤርትራውያን ድማ ልዕሊ ፈጣሪ ንኢድናን ሞጒስናን መጽነቲና ኣሰለት ኣምጺእና። ኢሳይያስ ካብ ግዜ ናጽነት ክሳብ ሎሚ 2014 ኣብ ቲቪ ህግደፍ ዝገበሮም ቃለ መሕትታት፡ ብዘይካ ንህዝቢ ዘናሹን ዘነኣእስን፡ ተስፋ ዘቑርጽን ዘሰንብድን፣ ካልእ ህዝባዊ ዛዕባ ኣይሰማዕናን። ኣብ ደገ ምስ’ዝመደበረን ማዕከናት ዜና’ውን ብዘይ ስኽፍታ ኣሽካዕላሉ ገሊጹዎ ኢዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ተለቪዥን ኣልጀዚራ ብዛዕባ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣብ ዝተሓተተሉ ግዜ፡ “…ምናልባት ድሕሪ 30 – 40 ዓመታት እንተተገብረ” በለ። ቀጺሉ፡ ነቲ ብሰንኪ ኤርትራውነቱ ጥራይ ናብ ጉድጓድ ዒራዒሮ ዝተሓየረ ጋዜጠኛ ፍስሃ ዮሃንስ /ጆስዋ/ ‘ትፈልጦ’ዶ’ ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተተሉ ግዜ ድማ፡ ምንም ከም ዘይፈልጦ ገለጸ። ቅድሚ ውሑዳት ዓመታት ኣብ ኒው-ዮርክ ብኣካል ተረኺቡ ኣብ ቅድሚ ካብ ካናዳን ኣሜሪካን ዝተኣከቡ ኣሽሓት ሰኽራማቱ ኤርትራውያን፣
“…ንዓይ ኣብ ኤርትራ ዝቖጸረኒ ሰብ ይኹን ደሞዝ ዝኸፍለኒ’ውን የብለይን” በሎም። ሰኽራማት ከኣ ኣጻብዕቶም ክሳብ ማይ ዝምዑግ፡ መመሊሶም ደኣ ኣጣቕዕሉ። “…ኣነ ድቃስ እፈቱ’የ፡ ብዙሕ ሰዓታት እየ ዝድቅስ” ድማ በለ ኣብ ቲቪ ህግደፍ። ‘ደቃሲ ኣይሓሉኻ፡ ነዓቒ ኣይፍቶኻ’ ዝበሃል ደጊም ከምዚ ኢዩ። “…ሰብ ናብ ማይ ዘለዎ ኢዩ ዝኸይድ’ምበር፡ ማይ ናብ ሰባት ዘለዉዎ ኣይመጽእን ኢዩ” ክብል’ውን ኣሽካዕላሉ ደገመ። እዚ ቃና’ዚ ብካልእ ኣበሃህላ፡ ንክቱር ንዕቀትን ጠቃር ጽልኢን ዘመልክት ላግጺ ኢዩ። ብዛዕባ ቅዋም ከኣ ሕፍር ከይበለ፣ “… ቅዋም ክንነድፍ ኢና … ወ.ዘ.ተ…” በለ። ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ክብሪ’ኮ ኣለዎ ኢዩ። ናይ ሎሚ ሰኽራማት ኤርትራውያን ግን ክብርታቶም ዝሓረጁን ውሽጦም ዝመኸኹን ዝተጀልሑን፡ ኣብ ኣራእሶም ንዝደየበ ሕሱም ቆለ ክፍውሱ ዘይክእሉ፤ ብክታብ ኢሳይያስ ዝደንዘዙ ሰባት ኢዮም እንተተባህለ፡ ኣይተጋነነን።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕሉፍ ኣምላኺ ህዝቢ ኢዩ። ንኢሳይያስ ከም ሰብ ዘይኮነስ፡ ከም ነብዪ ኢዩ ርእዩዎ። ገለ ኤርትራውያን ኣዴታት ሕሉፍ ሓሊፍወን ንስእሊ ኢሳይያስ ኣብ መንጎ ኣሳእል ቅዱሳን መላእኽቲ ሰቐልኦ። ፍዳ እዚ ሓጥያት’ዚ ድማ እነሆ ደም ኤርትራውያን ናይ ቀደምን ናይ ሎሚን ኣብ ፈቐዶ ሲናይን ባሕሪን ደመ-ከልቢ ኮይኑ ተሪፉ ኣሎ። ኤርትራ እትበሃል ሃገር ናብ ዘይምህላው፡ ኤርትራውያን ዝበሃሉ ህዝቢ ድማ ናብ ዛንታ ኦሪት ዘፍጥረት ገጹ ይገማገም ኣሎ። ኢሳይያስ ናብ ሜዳ ኤርትራ ካብ ዝተሰለፈሉ፡ ብፍላይ ከኣ ካብታ ናብ ዓላ ዝተጸንበረላ ቅርስስቲ መዓልቲ፡ ክሳብ ሎሚ ከም ኣሰለት ሩባ ጋሽ ንልዕሊ 40 ዓመታት ደም ደቂ ኤርትራ እናሰተየ ዝመጸ ሓደገኛ ፍጥረት ኢዩ። ካብ ግዜ ሰብዓታት ጉዕዞ ኤርትራውያን ኣብ እንምርምረሉ ግዜ፤ ስኽራን ኤርትራውያን ብዝና ኢሳይያስ ገደብ ኣልቦ ኮይኑ ንረኽቦ።

ኣብ ክፍላ ሰብዓታት፡ ‘ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንስኻ ትጋደል፡ ኣዴኻ ትበኪ’ ኢልና ደረፍናሉ። ዕሉም! ከደ…ከም ጠበቕ ርእሱ እናነቕነቐ ከደ! ንሱ ባዕልና ብዝሃብናዮ ቡቕሊን ጌሶን ሰኺሩስ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኣስከሮን ኣደንዘዞን። ‘ኢሳይያስ ብሽጉጡ ገይሩ ስሙ ዝጽሕፍ ተኣምራታዊ ፍጥረት ኢዩ’ ኢልና ከኣ ተወሳኺ ሸውዓተ ቀመማትን ኮረሪማን ነስነስናሉ። እቶም ምንም ብዛዕባ ገድሊን ኢሳይያስን እንዶ ዘይብሎም ንኣሽቱ ሰብ ቆለን ሰኽራማቱን ከኣ፡ በቲ ናይ ቀደም ጥጅእ ስለዝሸገጉ፣ ‘ኣንበሳ ናቕፋ’ ዝብል ሽመት ኣጠመቕዎ። እቲ ኩሉ ሸብዳዕዳዕ ደቂ ኤርትራ’ምበኣር ደምና ንከንቱ ከም ዝፈስስ ገበሮ። ኢሳይያስ ኣብ 1973 ነቶም ብዘይካ ናይ ምእራም፡ ካልእ ዕላማ ዘይነበሮም ምሁራት፡ ‘መንካዕ’ ዝብል ስም ኣጠሚቑ ደም ጀጋኑ ተጋደልቲ ሰተየ። ገና እቲ ንጹህ ደም ኤርትራውያን ስለዘይጸገቦ፡ ኣብ 1976 ዓ.ም. እውን ብስም ‘የሚን’ ዝብል ሰበብ ኣጠሚቑ ናይ ብዙሓት ንጹሃት ምሁራት ደም ጨለጠ። ንሱ፡ እዚ ሓደገኛ ኣሰለት ህዝቢ፡ ካብ ዕለት ምስላፉ ክሳብ ሎሚ ዝሰተዮ ደም ብምንታይ ይዕቀን? እንድዒ!!

ተመኩሮ ከም ዝምህረና፡ ኣብ ቅድሚ ገበነኛ ኢሳይያስ ዝኾነ ኤርትራዊ፡ ሃይማኖቱ፡ ብሄሩ፣ ማዕርጉን ደረጅኡን ብዘየገድስ፣ ተኣማኒ ኣይኮነን። ንሓደ ኤርትራዊ ክሳብ ዘድልዮ ተጠቒሙ ኢዩ ዝድርብዮ። ተመኩሮ ሰለሞን ወልደማርያም ኣብ ዘመነ ገድሊ፡ ጉጅለ 15፡ ኣብ ግዜ ናጽነት፣ ሎሚ ዘጥፍኦም ዘሎ ሚኒስተራቱን መኮንናቱን፡ ዘደስክሎም ዘሎ ጀነራላቱን ወሲኽካ፣ ህያው ምስክራት ኢዮም። ኢሳይያስ ዓርኪ፡ ኣማኒ፡ ብጻይ የብሉን። ዕድመ እንተለቂቡ ከኣ፡ ነቶም ተሪፎም ዘለዉ ምስጢራቱ ዝፈልጡ ገዳይም በብሓደ ከጥፍኦም ኢዩ። ኩሉ ተግባራቱ ከም ዘነጽሮ ድማ፡ ብድሕሪ ምብራዕ ኲናት ባድመ ጥራይ ዝሰተዮ ደም ኤርትራውያን መዘና የብሉን። ብሰንኪ ኣብ ደቂ ኤርትራ ዝነበሮን ዘለዎም ምጥርጣር፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንሚኒስትሪ ምክልኻልን ንሃገራዊ ጸጥታን በቶም ዶላራት እናኣኾለሰ ዘዕበዮም፡ ብደም ዝቐርብዎ ሰራዊት ደምህት ኢዩ ዝሕሎ ዘሎ።

ደጊም ዝተረፈ ደም ከይተጸንቀቐ እንከሎ፡ ይኣክል ስቕታ! ኣንታ ደም ዝነባዕካ ወዲ ሃገር ካብ ስኽራንካ ውጻእ’ሞ ሎሚ ቆለኻ ተሸረጥ። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምቲ ገርሀኛ ኮማንድስ ብድሕሪ ውዕሎ ኲናት ግራት ኣውሊዕ፦ “እንተ ብጸሎት ኣቦይ፤ እንተስ ብጸሎት ኣደይ ወላዲተይ ንዓይ ንምቕታል ዝተተኮሰት ጥይት ንቆቢዐይ ሃሪማ ከይዳ ኣላ” ዝበሎ፤ እዚ ዕሉል ኣሰለት ሰብ’ዚ ድማ ካብ ሰብዓታት ክሳብ ስርሒት ጅግና ወዲ ዓሊ፡ ብዙሕ ግዜ ካብ ሞት ንስክላ ኣምሊጡ ኢዩ። ሎሚ ነታ ገርሀኛ ልብና ካብ ቦትኣ ወጊንና ብሓንቲ ሮቦት ልቢ እንተንመራመር፦ ዕሉል ሽፍታ ኢሳይያስ፡ ካብ ግዜ ምጅማር ሰብዓታት ንኣከያይድኡ ኣብ እንምርምረሉ ግዜ፤ ሓቀኛ ምስሉ ብንጹር ክረኣየና ምኸኣለ። ቆለኻ ንክበርር፡ ንፍልልያት ሃይማኖትን ኣውራጃን ወጊድ ኢልካ፣ ተሸረጥ ኣንታ ህዝቢ!

ኦ! ሓርነትን ሰላምን ንርብዒ ዘመን ሃረር ዝበልካ ህዝብና ብሓበራ፣ ህዝቢ ቆላን ከበሳን፣ ብሄራትና ሕመረት መንነት ደቀባት ኤርትራ፣ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ብኣሰለት ደምካ ትምጸ ዘለኻ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ሎሚ ካብ ስኽራንካ ተበራበር። ኣንታ ቁንጣሮ ዝተረፍካ፡ ኣብቲ ጽንኩር እዋን ተጋድሎ፣ ንማይ ብመኽደን ብራሾ ተኻፊልና ዝተጓዓዝና፡ ኣብ ውዑይን ዝሑልን ኩነታት ከም ጽሩይ ወርቂ ብሓዊ ተፈቲንና ዝወጻእና ተጋዳላይ ነበር’ውን ካብቲ ሕሱም እምነት ተገላገል። ኣንታ ወግሐ-ጸብሐ ብዘይካ ሞትን ኣውያትን ዕልልታ ዘይሰማዕካ ህዝቢ ኤርትራ! ኣንታ ብዘይካ ጥሜትን ሓሳረ-መከራ ግፍዕታት ህግደፍን ካልእ ንቡር ህይወት ዘይትፈልጥ ጅግና ህዝቢ፣ ነቲ ደምካ ሰትዩ ዘማህመነካ ጨካን፡ ከምቲ ንኣሰለት ብካራ ዝጨዳ ጅግና በዓል መታሕት፡ ክሳድ ኢሳይያስ ንምብታኽ፡ ካብ ቆለኻ ተሸረጥ’ሞ፡ ሃገር ንሓዋሩ ከይጸነተት ሎሚ ወስን።

ኣንቱም ውሑዳት ገፋዕቲ፣ ኣንቱም ንሓርነት ህዝቢን መጻኢ ዕድል ሃገርን ወለዶታትን ብካፕሬቶን ቺፋዝን፣ ጽባሕ ብዘይሰፍርዎ ‘ገዛ መንግስቲ’ ብላንድ ክሩዘር መኪና፣ ጉንዖ ገንዘብን በናኒ ተስፋታት ኢሳይያስን ዝሰኸርኩም ሰብ ጽሮራን ይርሓሰና በሃልቲን፤ ህዝቢ ኤርትራ ሳንቲም ብሳንቲም ክጸባጸበኩም ምዃኑ ኣይትዘንግዑ። ኢሳይያስ ኮነ ኢሉ ኣእዳውኩም ብደም ጸይቕዎ ኢዩ። ኣብ ሜዳ ዝተጸየቐ ደም ከይኣክል ከኣ፡ ኣብ ኲናት 1998-2000 ዓ.ም. ካብ መራሕቲ ብርጌድ ንላዕሊ ንጹሃት መንእሰያት ንክትርሽኑ ባሪኹልኩም ኢዩ። ንህዝብኹም ትኽሕስሉ መንገዲ ምንዳይ ደኣ ምነበረኩም’ምበር፡ መመሊስኩም ክትሕንግዱስ ዘወጻጽኣኩም ኣይኮነን። ህዝቢን ገበነኛታትን ዝራኸቡላ፡ እንኮ መዓልቲ ኣላ!

‘ዘመን ውራ-ውራ ነብስኻ ኣይተዕብራ’ ከም ዝበሃል፤ ሓደ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ከቢድ ጊልያዊ ስራሕ ትሕቲ ሓደ ዶላር ን24 ሰዓታት ክኽፈሎ እንከሎ፣ ኣንቱም ኣብ ታኼላ ብልሽውና ተሸሚምኩም ኣስናን ዜጋታት ኤርትራ ከም ዕፉን ኣየት ጨጪፍኩም ትህንኩቱ ዘለኹም፡ ናይ ጣዕሳ ግዜ ኣይተጸንቀቐን’ሞ ካብ ቆለታትኩም ተሸሪጥኩም ዝግ ኢልኩም ሕሰቡ።

ሎሚ ኣብተን ልዕሊ 320 ዝኾና ኣብያተ ማእሰርቲ ኣሰለት ኢሳይያስ፣ እሞ ከኣ ኣብቲ ፍጡር ንክነብረሉ ዘይምቹእ ማሕዩር፡ ኣብቲ ሙቐታ ማዕረ ሙቐት ሳውና ዝበጽሕ ስንጭሮ ዒራ-ዒሮን፣ ህበይ ዘይትነረሉን ኣጻምእ ዊዓ፣ ኣቦታትና ብግዜ መግዛእቲ ጣልያን ዝምቁሑሉ ዝነበሩ ናኹራ፣ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ኣብያተ- ማእሰርቲ ኣዳርሰር ወ.ዘ.ተ… ልዕሊ 40 ሽሕ ደቂ ኤርትራ ብከቢድ መቑሕ ተኣሲሮሙሉ ኣብ ዘለዉሉ ናይ ፈተነ ግዜ፣ ማዕጾ ሕልናኹም ኳሕኩሑ።

ይኣክል ስኽራን ብውልቀ ሰብ፡ ቆለን ስኽራንን ብኢሳይያስ፡ ግዝኣተ-ኢሳይያስ መኽሰብ እንተዝህልዎ ምርጫና ምኾነ። ከምቲ “…ሓንሳብ ዝግ በሉ’ሞ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም” ዝበሎ ቅዱስ መጽሓፍ፣ ኣንቱም ገና ስኹራት ዘለኹም ሰብ ቆለ ኤርትራውያን፣ እስከ ሓንሳብ ዝግ በሉ’ሞ፡ ንኤርትራን ህዝባን፡ ንመንግስቲ ኢሳይያስን ኣቀዋውምኡን ብድሕሪ 24 ዓመታት ተመልከቱዎ።

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!
ደበሳ ኢዮብ ንህዝቢ ኤርትራ!!

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሕጂከ ናበይ ገጻ ተምርሕ ኣላ

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሕጂከ ናበይ ገጻ ተምርሕ ኣላ

(1ይ ክፍሊ) ቤተ ክርስቲያን ብመሰረቱ ብደም መድሓኒና ክርስቶስ ዚተዓደገት ብጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እትምራሕ ሰማያዊት፡ መንቅብ ኣበር ዘይብላ ክብርትን ቅድስትን  መንግስቲ እያ። “ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ፡

ርስሓት ዕጣር፡ ወይ ንእኡ ዚመስል ገለ ነገር ዜይብላ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን  ቤተ ክርስቲያን ገይሩ ንርእሱ ምእንቲ ኬቑማ ኢሉ ርእሱ በጃኣ ሃበ (ኤፌ 5፡ 25-27)።  ነዛ ብደም መድሓኒና ክርስቶስ ዚተጠርየት ድማ ከምቲ ፍቓዱ ገይሮም ብመንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኪመርሕዋ ሃዋርያትን ኤጲቆጶሳትን ሸመላ። “ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዜጥረያ ቤተ ክርስቲያን ኣምላኽ ክትጓስዩ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዚሸመኹም ኵሉ መጓሰ ሓልዉ” ። ኣነ ምስ ኣግለስኹ ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ከም ዚኣትውኹም እፈልጥ ኣሎኹ (ግብ 20:28)።

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምሕረቱ ይልኣኸልና እምበር ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያንና ካብቲ ኃዋርያውን ቀኖናውን መገዲ ወጺኡ፡ በቶም ንኽመርሑ ብቤተክርስትያንን መንፈስ ቅዱስን ዝተሾሙ ኣቦታት ዘይኮነስ፡ ብወለንታን ውጥንን ፖለቲከኛታትን መሰራሕቶም “ብዓል ንብላዕ ስርናይ ክሳብ ሰማይ” ካብ እትወድቕ ብዙሕ ዓመታት ኣሕሊፋ ኣላ። ሎሚ ከም ደቂ ቤተ ክርስቲያን እቲ ቅልስና ምስ ስጋን ደምን ጥራሕ እንተ ኩይኑ ኣይክንዕወትን ኢና። ከምቲ ቅ.ባስልዮስ ኣብ ዝደረሶ ጸሎት “ነኣኩቶ” ወትሩ እንደግሞ “ኦ መፍቀር-ሰብ፣ ነዛ ቅድስቲ ዕለት እዚኣን፣ ኵሉ ዘመን ህይወትናን፣ ንዓኻ ብምፍራህ ብፍጹም ሰላም ክንፍጽሞ ካብቲ ሠናያትካ ንኽትህበና ንሓትትን ንልምንን ኣሎና። ኵሉ ቅንኣትን፣ ኵሉ ፈተናን፣ ኵሉ ግብር-ሰይጣንን፣ ምኽሪ ክፉኣት ሰባትን፣ ኅቡእን ግሁድን ዝኾነ ምልዓል ጸላእን፣ ኦ ጎይታ ካባይ ኣርሕቕ፤ ካብ ኵሉ ህዝብኻ’ውን ኣርሕቕ፤ ካብዚ ቅዱስ ቦታኻ እዚ’ውን (ቤተክርስቲያንካውን) ኣርሕቕ።” እቲ ቅልስ ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣን፡ ምስ መንፍቲ እኸይን ኣብ ሰማይ ምዃኑ ፈልጥና፡ ኵሉ መንፈሳዊ ኣጽዋር ለቢስናን ኣልዒልናን እንተ ተዋጊእና ግና ብሓይሊ ኣምላኽ ክንስዕር ኢና። ካብቲ ዕላማ መንፈሳዊ ውግእና ኪኸውን ዘለዎ፡ ገና ቤተ ክርስቲያን ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ኣትያ፡ ህዝብና ኣብ ፈቀዳ ቤት ጠንቛሎን፡ ተስፋ ምቝራጽን ኣትዩ፡ ኣወዳትናን ኣዋልድናን ንሕሰም ስደትን ዝርጋንን ምንዝርናን ተቓሊዐን፡ ኣብ ዘበናት ተራእዩ ዘይፈልጥ ስቃይን ኣደራዕን ወሪዱና ኣሎ።

ኣብ ቤተክርስትያንና ኣትዩ ዘሎ ህቦብላ፡ ኣብታ ሃገር ዝነፍስ ዘሎ ንፋስ እዩ መንቀሊኡ። ብሰንኪ ድሕረት ትምህርቲ፡ ካብተን ካልኦት ናይ ክርስትያን ማሕበራት፡ ዝደኸመ ምሕደራ ንደጋውን ዓለማውን ኢድ ዘእቱ ነቓዕ ስለ ዝጸንሓና፡ እቲ ንፋስ ኣብ ኩለን እኳ እንተነፈሰ ኣባና ግና ናብ ህቦብላ እዩ ተቐይሩ። ተለኻኺምካ ውድቀት እዩ። ኵሉ ቁጠባ እዛ ሃገር እዚኣ ተረሚሱ፡ ኣብ ክንዲ ምዕባለን ልምዓትን፡ ፍትሕን ፍርድን ጠፊኡ ማእሰርትን ተራእዩ ዘይፈልጥ ብልሽውናን ብዘይ መጠን ሳዕሪሩ ንርእዮ ኣሎና። እዞም ኣብ ከምዚ ዚኣተዉ መብዛሕትኦም ደቂ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ምዃኖም ሓደን ክልተን ዜድልዮ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ብዚግባእ ወንጌል ስለ ዘይተማህሩን ካብቶም ክርስትያን ዓብላሊ ቕጽሪውን ስለዘሎና እዩ።

እቲ ካብ ኵሉ ዚኸፍኣ ድማ ቤተ ክርስቲያን ሓጹር ዘይብላ ቀጽሪ  በዓቲ ጐሓሉትን ሰርቕትን ዀይና ንዅሉ ናታን ዘይናታን ዕርቃና ትርኣየሉ ዘላ ምዃኑ እዩ ። እቶም  ሰይጣን ነዚ ክፍኣት እዚ ዚጥቀመሎም ዘሎ ቀንዲ ተዋሳእቲ፡ መንግስታዊ ኣካላት (ላዕለዋይ ኣካል ስለያ ከም በዓል ወዲ ካሳን ናቱ መሓውር ዚዀነ ብስም ሃይማኖታዊ ጉዳይ ዚጽዋዕ መሪሕነትን)፡ ገለ ካብቶም ብትምህርቲ ሰንበት ዚጽዋዕ ኣባላት መሪሕነት፡ ኣባላት ስለያን ህግደፍን ዚዀኑ ካህናት ከም በዓል ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይ ዚኣመሰሉ ዕሉላት ዓለማውያን እዮም። እዚ ጠንቂ መሰረቱ እዚ ብሱል ትምህርትን ጥርኑፍ ኣመራርሓን ምሕደራዊ ትምህርቲ ውሉደ ክህነት ከም ናይ በዓል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘይምህላዉ እዩ። ባጀት ስለ ዘይብላ፡ ንምሕደራኣ ዚኣክል ገንዘብ ስለ ዘይብላ ብሰንኪ ዘይምእኩል ኣመራርሓ፡ ምትእትታው ግዳማውያን ሓይልታት ሰላባን ግዳይን ናይቶም ዚምውልዋ ኣካላት ዀይና ትርከብ ኣላ።

ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶስ ኤርትራ ካብ ግዜ ናጽነት ጀሚራ ኣብ ትሕቲ ድጐማን ምሕደራን መንግስቲ ምህላዋ ንዅሉ ከም ጸሐይ ቀትሪ በሪሁ ዝርአ ዘሎ ሓቂ እዩ። ተዋህዶ ሃይማኖት ኣብ ኤርትራ፡ ብብዝሒ ሰዓብቱ ዓብላሊ ሃይማኖት ስለ ዚዀነ፡ ብመጠን ዚገበርካሉ ኣበርክቶ፡  ኣብ ትሕቲ መሪሕነትን ቝጽጽርን ከተእትዎ እቲ ዚቐለለ መገዲ ድጐማ ምሃብ እዩ።  ፖለቲከኛታት ዝወጠንዎን  ዝተመነይዎን ረኺቦም። እዚ ንመንፈሳዊ ዕቤቱን፡ ንሓድነቱን ጽንዓቱን ዘይዀነስ፡ እንታይ ደኣ መሳርሒ ፖለትካ ገይርካ፡ ሰለባኻ ምግባርን ንዘይትደልዮም መራሕትን ኣገልገልትን ድማ ብስም ቤተ ክርስቲያንን መራሕነታን ምእሳር፡ ምብራርን ምውጋዝን እዩ። ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ሕጂ ንሳ ብዘይመረጸቶም፡ ብመንግስቲ እተምዘዙ፡ ጭዋታት እረ ገሊኦምስ ህላዌ ኣምላኽ ዘይኣምኑ ወኪላት መንግስቲ ክትምራሕ ጸኒሓን ኣላን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብስም ሽዱሽተ ገዳማት ዚወጸ ፡ ንኣቶ ዮፍታሔን ንቐሺ ሃብቶምን ኣብ ዘበነ ስልጣኖም ዝፈጸምዎ ገበናት ጠቒሱ ዜወግዝ ጽሑፍ ኣብ መላእ ኤርትራ ኪዝረበሉ ቀንዩ። ብርግጽ ፖለቲከኛታት ተንተንቲ እዃ እንተ ዘይዀንና፡ እቲ ፈጺሞምዎ ዚበሃል በደል ብናይ መን ስልጣንን ሓይልን እዮም ፈጺሞምዎ ንዮፍታሄን ሃብቶምን ናብዚ ዘይግብኦም ስልጣን መን ኣደይብዎም? ስለምንታይ? ኢድ መን ኰይኖምከ ሰሪሖም? መን ብዝሃቦም በትሪ ሃሪሞም?  እቲ መልሲ ፍሉጥ እዩ። ንምንታይኸ ሕጂ ባዕሎም ብገዛእ ስልጣኖም እዝን እትን ከም ዚገበሩ ተጋኒኑ ይዝረበሉ ኣሎ? እቲ ዓቢዪ መልሲ ሕጂውን ዚዀነ ዚመጽእ እቲ በትሪ እቲ ካብቶም ንቤተ ክርስቲያን ስልጣና ዚገበታ መሪሕነት ተዋሂብዎ እዩ ኪመጽእ። ማለት እቲ በትሪ እቲ እዩ ሕጂውን ኢድ ቀይሩ ኪመጽእ እምበር፡ ዘምጽኦ ፍታሕ የለን።  ብኻልእ ኣዘራባ እቲ በትሪ ከም ዝነበሮ ኪቕጽል ምዃኑ ዘጠራጥር እይዀነን።ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓድሽን ዘይነበረን ነገር ኪመጽእ እዩ ኢሉ ዚትስፎ፡ ተስፋ ዚገብር ኣዝዩ ገርሂ እዩ። ምናልባት ሓደ ሓደ ብዕዉር ጽልእን ኣምባገነንትን ካብ ክህነቶምን ኣገልግሎቶምን ብበዓል ዮፍታሄ፡ ሃብቶምን ቀሺ ሳሙኤን ዚኣገድዎምን ዚወገዝዎምን ይምለሱ ይዀኑ። እንተ ዘየለ ሕጂውን እቲ ሓፈሻዊ መሪሕነትን መምርሕን ንሱ እዩ። መወዳእትኦም መሰክሕ ምዃኑ እንዳተፈልጠ፡ ልቢ ፈርኦን ዝወነኑ ስጋውያን፡ ምናልባት ብገለ ጸቕጥታት እንተ ዘይተዋጢሮም፡ ክሳብ እታ ዓባይ መዓልቲ ፍርዲ ከምዘይንስሑ፡ ቅዱስ ጽሑፍ ይምህረና። ሕጂውን እቲ በትሪ ረሲእነት ካብ ቤተ ክርስቲያን ኪለዓል እዩ ምባል ዘይሕሰብ እዩ። ንሓቅነቱ ድማ ንጊዜ ንሓድጎ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ይቕረ ይበለልና ይወድኣልና። ዘበን ፍትሕን፡ ምሕረትን ፍቕርን ካብ ኣምላኽ ይውረደና።

 

ይቕጽል

መበል 44 ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ህዝቢ ዖናን በስግዲራን።

መበል 44 ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ህዝቢ ዖናን በስግዲራን።

መዓልቲ ዝኽሪ ሰማእታት ሰላማዊ ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ብፍላይ ከኣ ህዝቢ ዖናን በስግዲራን ኣመልኪቱ ዝወጸ ፍሉይ ጽሑፍ።
ሰላም ቅሳነት ራህዋ ምዕባለ ክህሉ ወትሩ ግዜ ናይ ዝኾነ ሰብ ድለት`ዩ።ካብ ሰላምን ቅሳነትን ዝረብሑከኣ እቶምብባህሪኦም ደላይቲ ሰላም ዝኾኑዉጹዓት ህዝቢታት እዮም።ኣብ መንጎ ዓማጽን ተዓማጽን ናይ ረብሓ ፍልልይ ስለ ዘሎ፡ ኩሉ ግዜ ረጽሚ ኣሎ። እቶም ዓመጽቲ ሓይልታት ረብሓታቶም ንምሕላው ብቐጻሊኣብ ልዕሊ ህዝብታት ዅናት ምእዋጅንወራራት ምክያድ ነቲ ህዝቢ ኣንበርኪኾም ክገዝኡ ሓደ ካብቲ ብቀጻሊ ዘክኣይድው ገበናዊ ትርእዮ እዩ። እዚ ሎሚ ሒዝናልኩም ቐሪብና ዘለና ጽሑፍ ቅድሚ ኣርባዓን ኣርባዕተንዓመትብመግዛእቲዊ ስርዓት ሃይለስላሴ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ብሌን ኣብ ዖናን በስግዲራን ዝተኻየደ ኢ-ሰብኣዊ ጃምላዊ ህልቂት ሓቢርናንምዝካርዝዓለመ`ዩ።
ዝተበደለን መሰሉ ዝተሐድገን ህዝቢ መግዛእቲን ምዝመዝን ምስ መረሮ ድሕሪ ዝተውሰነ ናይ ሙጉሩምራም ግዜ፡ መሰለይ ክብረይ ረብሓታተይ ኣሕሊፈ ኣይህብን ብምባል ኣንጻር ገዛእትን ዓመጽትን ክለዓል መጻኢ ዕድሉ ባዕሉ ክውስን ካብ ምብጋስ ኣይተርፍን። ዓወቱ ድማ ኣየጠራጥርን።
ንጉሳዊ ስርዓት ሃይለስላሴ ናይ ኢትዮጵያ ግዝኣት ንምስፍሕ ብሽም ኢትዮጵያ ”ናይ ኣፍደገ ባሕሪ የድልያ፣” ”ብታሪኽ ኤርትራ ሓንቲ ዘይትፍለ ኣካል ዓባይ ኢትዮጵያአያ” ኢሉ፣ብሓያላን መንግስታት ብዝተገሩሉ ዘይሕጋዊ ዲፕሎማስያዊ ጉልባብ መሬት ኤርትራ ወሪሩ ቶቆጻጺሩዎ። ንህዝቢ ኤርትራ ንምምብርካኽ ዝሕግዞ ዘመናዊ ሰራዊት ሃኒጹ አጽዋራት ሸሚቱን፡ ዓለምለኻዊ ናይ ምስፍሕፍሕ ሓይልታት ብዝሃብዎ ወተሃደራውንቑጠባውን ተነዪቱ ንኤርትራ ክርግጽ ዝተሃንደደ።
ስራዓት ሃይለስላሴ ቅኑዕ ሕቶ ኤርትራዊ ሃገራዊ ናጽነት ክቅበልን ክምልስ ይትረፍ፡” ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን” ዝብል ቁሊዕ ናይ ምጽናት ፖሊሲ እዩ ተኸቲሉ። ነዚ ንምትግባር ድማ ሓጋይን ክራማትን ቀትርን ለይትን ከይፈለየ ህዝቢ ኤርትራ ንምምብርካኽ ዘይኣሎሞ ተንኮልን ዘይገበሮም ግፍዒታትን ኣይነበሩን።ብሰንኪ እቲ ዝተፈጸመ ታሪኻዊ ገበን ድማ ዝሰፍሔ ክፍሊ ህዝቢ ኤርትራ ናብራ ሓሲምዎም ኣደዳ ጥሜትን ስደትን ምዝባልን ስራሕ ምስኣንን ኮይኑ። ጭቆና ኣብ ዘለወሉ ቓልሲ’ውን ኣሎ። ከም ዝበሃል ህዝቢ ኤርትራ’ውን ቓልሲ መሪጹ።
እቲ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ንሃገራዊ መሰል ንምጥባቅ ዝጀመረ ብሓረካ(ማሕበር ሸውዓተ ዝፍለጥ) ህዝባዊ ተቃውሞ፣ብዑሱባት ዘውዳዊ ስርዓት ተሪር ተጻብኦ ስለ ዝተጓነፎም፡ ንበረኻታት ብምኻድ ተቃሊሶም። ድሒሩ ድማ እቲ ቃልሲ ብተጋድሎ ሓርነትኤርትራን እዩ ቀጺሉ፡፡ሰውራ ኤርትራ ህዝባዊ ደገፍ ስለዝነበሮ ዘውዳዊ ስርዓት ሃይለስላሴ ብኣግኡ ብዕሸሉ ክድምስሶ ብጻዕቂ ተንቀሳቂሱ፡ ነዚ ቅነዕ ህዝባዊ ቃልሲ ክገትኦ ብዘይምኽኣሉ ”ዓጾ ዓጾ ንማዕጾ”ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓበይቲ ግህሰታት ኣብ ምፍጻምዩ ኣድሂቡ። ነዚ ንምትግባር በብግዝይኡ ተሞክሮ ዘለዎም ኡሙናት ዓበይቲ ጀነራላት ከም ጀነራል ተሾመ እርገቱ ህዝቢ ክነበርክኽ ይልእኽ ነይሩ፡፡ንኤርትራዊ ተቃውሞ ብሓፈሻ ንተ.ሐ.ኤ ድማ ብፍላይ ንምድምሳስ ”ዓሳ ንመሓዝ ባሕሪ ምንጻፍ” ብዝብል ባርባርዊ ትምክሕቲ ኣብ ምዕራባዊ ቆላታት ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ንከባቢሰንሒት እቲ ሰውራ ከረን ከይኣቱ ብኣጀንዳ ንህዝቢ ከጽንት ተበጊሱ።
ጀነራል ተሾመ እርገቱ ብሰራዊት ጽነዕ ሓለዋ ተገሩሉካብ ኣስመራ ንከረን ገጹ ክንቀሳቀስ ምኻኑ ካብ ውሽጣዊ ስሩዓት ተ.ሓ.ኤሓበረታ ተመሓለሊፉ፣ኣብ’ቲ ግዜቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣብ ከባቢ ባልዋ ካብ ዒላበርዕድ 5ተ ኪ.ሜ ኣድብዮም ብምጽናሕ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ቀቲሎሞ።ብሞት`ቲ ጀነራል ዝተቖጥዑ ሰራዊት፣ ንህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ዋጋ ክኽፍልዎ ሙዃኖም ይፍክሩ ነበሩ። እቲ ምቅታልን ምዝራፍን’ኳ ሓንቲ መዓልቲ ኣየዕረፉን። ኣብ መላእ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ገጠራት ባርካ፣ሰምሃር፣ ደንከል፣ ሳሕል፣ ሰንሒት ከምኡ ሓምሴን፣ ሰራየ፣ ኣኮሎጉዛይ፣ ኣብ ራዕድን ፍርሕን ይነብር ነይሩ። ኣብ ከባብ ከረን ንዝነበራ ዓድታት ብጃምላ ምርሻን ብሳንጃ ምሕራድን ብሓዊ ገዛውቶምን ግራውቶምን ምሕራር ንብረትምዝራፍ ልሙድ ኮይኑ ኔይሩ።
ጦር-ሰራዊትብ 30 ሕዳር 1970 ዓ.ም ልክዕ ቅድሚ 44 ዓመት ካብ ከተማ ከረን ዝተበገሱ ንሩባ ዓንሰባ ጸልማትተሸፊኖም ናብ መሬት ሰኹነይቲ20 ኪ.ሜ. ካብ ከረን ሪሒቑ ዝርከብ ቦታ ብመደብ ህዝቢ ንምቓታል ወፈሩ። ሩባ ዓንሰባ ሰጊሮምድሕሪ ምሕዳር ጋሕጋሕ ንግሆ ደሓን ኣሎና ዝብል ህዝቢ ሓደጋ ወረድዎ። ንኹሉ ናብ ማሕረሱን መጓሰን ክኸይድ ንዝሸባሸብ ዝነብረ ቆልዓን ሰበይትን ኣረጋውያንን ከይተረፉ ኣብ ሓደ ቦታ ብምእካብ ማይ ይኹን መግቢ ከይሃቡ ከርዲኖሞም ወዓሉ። ሃዲሞም ንካልኦት ከይሕብሩ ድማ ብጥብቂ ሓለዋ ተገሩሎም ወዓለ።እቶም ጦር-ሰራዊት ብተደጋጋሚ ዝብልዎ ዝነበሩ፣ ”ንስኻትኩም ንወንበድየ (ጀብሃ) ትሕግዙ ትዕንግሉ ትሓብኡ፡ ንስኹም ባዕልኹም ወንበድየ`ኹም፡ ካብቶም ንስኹም ትቅልብዎም ሽፍታ ፈሊና ኣይንርእየኩምን ኢና” ክብሉ ክህድድዎም ወዓሉ። ህዝቢ ክምህለልን ክልምንን ምፍትሒ ክረክብ ኩሉ ሰላማዊ ዝገብሮ ይገብር ኔይሩ። ነዚ ናይ ህዝቢ ብኽያትን ጸገምን ዘይግድሶ ክቀትል ዝወፈረ ወተሃደር ”ኣብ`ዚ ከባቢ ነፈርቲ ክድብድባ ስለዝኮና ኣብ መስጊድ” እተዉ ዝብል ምኽርን ሓይል ተሓዊስዎ ኣብ ምስጊድ እታ ዓዲ ኤእተዎም።ኩሎም ምስ ኣተው ኣብ ኣፍ ምስጊድ ብሚትሬስ ብምሳኹቲ ብዝተፈላልየ ዓይነት ብረትን ቦምባ ኢድን ተሳሃልዎም። እቲ ክፍዒ ክሳብ ክንደይ መሪር ከም ዝነበረ ንምብራህ ኣብ ማእከል ሬሳታት ሓደ ቆልዓ ብዕድል ዝደሓነ ጡብ ኣዲኡ ክጠቡ ዝተረክበ ኣሎ። ብዘይ ምሕረትብግፍዒ ዝሞልኦ ኣገባብ ልዕሊ 120 ሰባት ተቀማጦ በስግዲራቆልዓን ኣዴታትን ኣረጋውያን ከይፈለዩ ኣጽኒቶሞም። ኣብ ምስጊድ ኤእቲኻ ምቅታል’ውን ናቱ ፖሎቲካመግለጺኔይርዎ። ክሳብ ሰብዓታት ንሰውራ ኤርትራ ”እስላማዊ” ክብልዎ ካብ ህዝቢ ክርስትያን ክንጽልዎ ፈቲኖም’ዮም። ንህዝቢ ኤርትራ ግን መስጊድን ቤተ ክርስትያንን ክልቲኡ ቤት ኣምላኽ’ዩ። ገዛእቲ እምነት ከም ዘይብሎም ህዝቢ ኤርትራ ቀዲሙ ስለ ዝፈለጠ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ተዋጊእዎም ብኣልማማ ምጽናት ከኣ ኣየቛረጸን፣በዚ ኣጋጣሚ`ዚኣብወክድባ ሰንበት መዓልቲ ካብ ቤተክርስትያን ንዝወጹ ሰላማዊ ህዝቢ 80 ሰብ ከም ዝቀተለ ይዝክር።
እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ በስክዲራ ዝፈጸምዎ ኣረመናዊ ተግባርቀጻሉ ናብ ኩሉ ሊሒሙ`ዩ። ዖና ካብ ከተማ ከረን ክልተ ኪሎ ሜትር ርሒቃ ትርከብ ዓዲ’ያ።ነበርቲ ዖና ፈተውቲ ስራሕ ጻዕራማት ህርኩታት ሓረስቶት እዮም ነሮም። ዖና ዓባይ ዓድን ታሪኻዊት ቦታ ህዝቢ ብሌንን’ያ።ካብኩሉ ዖና ሓንቲ ካብተን ኣገደስቲ ቁልፊ ናይ ከረን ከኣ’ያ።ካብ ከረን ንገድሊ ዝኸይድን ዝኣቱን ሓበረታን ሰብን ስንቅን መድሃኒትን ሰለ ዝነበረት ንተጋደልቲ ኣገዳሲት ዓዲ’ያ ነራ።ወተሃደራውን ጸጥታውን ትካላት ንዖና ካብ ገጽ ምድሪ ክድምስስዋ መድብ ከም ዝነበሮም ኩሉ ዝፈርሆሓቂ እዩ ነሩ። ህዝቢ ዖናን ከባብን ነዚ ኹሉ እናፈለጠ ንዕላማኡ ጽንዓትን ተወፋይነትን ዘርኢ ዝነበረ ልዕሊ ተጋዳላይ ዝተጋደለ ህዝቢ’ዩ።
ዖና ካብ ፎርቶ ከረን ሓምሽተ ኪ.ሜ. ሪሒቓ ዝተደኮነት ታሪኻዊት ዓዲ’ያ። ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ በቶም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ”ኩለን ዓድታት ኣብ ሓደ ንጸጥታ ዝቀረበ ቦታ ይተኣከባ” ዝብል ኣዋጅ መሰረት ኣብ ከባቢ ዓዲ ዖና ዝርከባ ዓድታት ኣብ ዖና ክእከባ ገሮም። ቅድሚኡ ዝነደዳ ዓድታት ብስክዲራን፣ ፋቱዳ፣ ግብሲን፣ባንቢን ዳርጋ ጠቕሊለን ኣብ ዖና ኣትየን ነረን።ኣብ ምድሪ ብሌን ታሕሳስ ዳርጋ እኽሊ ኣትዩ ንመርዓን ካልእ ህዝባዊ ባዓላትን ተስካር ዝግበረሉ ወርሒ እዩ። ብፍላይ ሽዑ ሰሉስ መዓልቲ ክልተ ተስካር ነሩ ይበሃል። ብሓቂ’ውን ዖና ሽዑ መዓልቲ ግደፍዶ ደቂ ዓዲ ካብ ካልእ ከባቢ ዝመጽኡ ኣጋይሽ ነሮም እዮም። እቲ ህልቂት ሰሉስ ብዕለት 1 ታሕሳስ 1970 ዓ.ም ሰለ ስኾነ ብብሄር ብሌን ”ሰሉስ ጸላም መዓልቲ” ተባሂላ ትዝከር። ካብ ሰዓት ሽድሽተ ብከቢድ ብረት ካብ ፎርቶ ከረን ንዖና ዕላማ ዝገበረ ብዘይምሙቑራጽ ክሳብ እታ ዓዲ ካብ ሱራ ትድምሰስ ደብደብ ተኻይዱ። ጸኒሑ ከም ሓደ ናይ ጸላኢ ታባ ዝድምስስ እግረኛ ሰራዊት ነቲ እግርን ኢድን ዘይነበሮ ብሳንጃን ጥይትን ደጊሙዎም።ነዚ ተኸላኻሊ ህዝቢ ስለ ዝቀተሉ ዝነበረ ፈኸራን ዕላልን ሰራዊት ኢትዮጵያ ንልቢ ኩሉ ብሄር ብሌንን ህዝቢ ከተማ ከረንን ዘድረቐ’ዩ። ድሕሪ ነጻነት ኣብ’ዚ ዝሃለቐ ህዝቢ ክቁጸርን ዖና ደጊማ ክትህነጽን ዝነበራ ዝዘከራ የሎን። ካብዝን ካብትን ዝተረኽበ ጸብጻብ ግን ካብ 800 ክሳብ 1000 ዝግመት ሂወት ክኸውን ከሎ ንብረትን ዝስዓቦ ድኽነትን ስደትን ውርደትን ከየልዓልካ’ዩ። እቲ መደብ ንኹሉ ከባብ ከረን ክሳብ መሬት መንሳዕ ሓባብ በጁክ ካልእን ኣኪብካ ብጥይት ምቅታል እዩ ነሩ፣ሳላ ዓበይቲ ዓድን ናይ ሃይማኖት ሓለፍትን ግብረ ሰናይ-ማሕበራትን ዘካየድዎ ዘይሕለል ናይ ምትህድዳእ ጻዕሪ ክድሕኑ ኪኢሎም። እዚ ህልቒት እዚ ኢትዮጵያ ክትዓብጦ ወላ እንተፈተነት ደም ንጹሃት ደፊኡ ንደገ ተቓሉሑ’ዩ። ንመጀመርያ ግዜ አተን ፍሉጣት ናይ ዜናማዕከናት ከም ቢ.ቢ.ሲ, ሶት-ኣልዓረብን ብሰፍሑ ኣቃሊሔንኦ’የን።እቲ ኣቦ-ኣፍሪቃውያን ሕያዋይ ንጉስ አንዳተባህለ ዝዝመረሉ ዝነበረ ንጉስብግፍዕታቱ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ተቃሊዑ።
እዚ ናይ ዖናን በስክዲራን ጃምላዊ ህልቂት ኣብ ሐደ ግዜብስፍሑ ዝተፈጸመ ብምኻኑ ንዝክሮ ኣለናድኣ’ንበርእዚ ኢ-ሰብኣዊ ግፍዓዊ ተግባራት`ዚ ድሕሪኡ ኣብ መላእ ኤርትራ ኣብ ከተማታት ከይተረፈ ዝደጋገም ተርእዮ ኮይኑ`ዩክሳብ ካብ መሬትና ተሳዒሩ ዝወጽእ ቀጺሉ’ዩ።
እዚ ቅድሚ 44 ዓመት ዝተፈጸመ ጃምላዊ ህልቂት ሎሚ መዓልቲ ክንዝክር ቀንዲ ምኽንያት ብቀንዱ እቲ ህያው ታሪኽ ህዝቢታት ዖናን በስግዲራን ከምኡ ናይ ኩሉ ሰላማዊ ህዝብታት ህልቂት ተቀቢሩ ከይተርፍን፣ኩሉ እጃሙ ክገብር ንምዝኽካር’ዩ። ተጋዳላይ ኣብ ዕላማ ብድልየቱ ዝወፈረ ስለ ዝኾነ ናቱ ዝኽሪ ክህልዎ ከሎ ናይ ሰላማዊ ህዝቢ ቃልስን መስዋእትን ከኣ ናቱ ዝኽርን ዝክርን ክህልዎ ይግባእ። ፋሺስታዊ ስርዓት ግህደፍ ነዚ ቅዱስ ዕላማ ክዝክርን ንወለዶታ ዝኸውን ዝኽሪ ክገድፍን ዘይሕሰብ’ዩ። ኣብ ግዜኡ ዝሃልቕን ዝስደድን ዘሎ ሰላማዊ ህዝቢ ይበዝሕ።ናይዚ ጽዑቅ መግለጺ ግርማ ኣስመሮም ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ነቶም ብሰንኪ ኣዕናዊ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊስታት መሪርዎም፣ኤርትራ ገዲፎም ንዝስደዱ ዘለው ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ብናህሪ ምውሳኹ ካብ እንታይ ይነቅል ተባሂሉ ተሓቲቱ ንጋዜጠኛ ቮይስ ኣመሪካ ኦዝሃቦ መልሲ እኹል መርትዖ`ዩ።
ህልቂት ሰላማዊ ህዝብታት ኤርትራ ተረሲዑ ክተርፍ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ዝፈጠሮ በሰላን ዘስዓቦ ናይ ኣታሓሳስባ ጸቅጥንብግቡእ እንተዘይ ተፈቲሹን ተፈዊሱንብዕርቕን ብፍትሕን እንተዘይተደቢሱ ኣብ ዝቅጽል ወሎዶታት ቁስሊ ኮይኑ ንህላዌኣን ንምዕባሌኣን ክዕንቅፍ ክነብር’ዩ።
ካብዚ ብምብጋስ እዩ ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ ኣብ ወርሒ ዓሰርተ ኣብ ዘካየዶ ማእከላይ ሽማግሌ ስሩዕ ዓመታዊ ኣኼባኡ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝነብር ህዝቢ ኤርትራኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓድን ኣውራጃን ብሄርን ሰላምዊ ህዝቢ ዝወደቁ ፈቲሹ፣ከምመበገሲንዖናን በስክዲራን ኣብነት መዓልቲ ሰማእትታ ሰላማዊ ህዝብታት ወሲዱ ነዛ1 ታሕሳስ ኩሉ ዓመት ህልቂት ሰላማዊ ህዝቢ ዝክር፣ ብሸምዓን ብካልእ ኣገባብ ንደቅና ክነማሓላልፍን ዝተላበወ።

28-11-2014

ዘልኣልማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!
ውድቐት ንፋሺስታዊ ስርዓት ህግደፍ!
ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ
ሳይበር ኣድራሻና፣ [email protected]
ሳይበር ወብና፣ www.blina.org