ኣበይ ኣለኺ ዱላ ኤርትራውያን?

ኣበይ ኣለኺ ዱላ ኤርትራውያን?
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ 26 ሕዳር 2014 ዓ.ም.

“ዱላ ግርም መድሃኒት ኢያ! ደርግ ብዱላ ምስ ተደሰቐ ኢዩ እሺ ሐራይ ኢሉ ኣብ ኣትላንታ ዝተባህለት ከተማ ብሰላም ንክዘራረብ ተቐሲቡ። ሕጂ’ውን ክሳብ መንግስቱ ሃይለማርያም ስዩም ዝብልን ናጽነት ኤርትራ ጋህዲ ዝኸውንን ብዘተ ዘይኮነስ ብዱላ ጥራይ ክዝበጥ ኢዩ ዘለዎ። እቲ ምንታይ ሰላም ንደርግ መዘናግዒ ገበጣ’ምበር መሰረታዊ ፍታሕ ንምምጻእ ዝጀመሮ ጉዳይ ኣይኮነን። እምበኣር ሃባርም ደቀይ፡ ደቂ ኤርትራ! ሓደራኹም እዛ ዱላ ካብ ኢድኩም ኣይትፍለዩዋ” ቃል ሓርበኛ ኣቶ ብሃይማኖት ዝተባህሉ ኣቦ ተቐማጣይ ሽላሎ ኣብ 1989 ዓ.ም ዝተዛረብዎ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ መደብ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ቀቅድሚ ዜና ዝንበብ ዝነበረ ወርቃዊ ቃላት ሓርበኛ ኤርትራዊ ኣቦ ኢዩ።

በዛ ዱላ እትብል ወርቃዊት ቃል ኣቦይ ብሃይማኖት ነዚ ጽሑፍ’ዚ ክጅምር እከለኹ ድማ መዓሙቕ ባሕሪ ልበይ ባህ እብለኒ። ሎሚ ኤርትራዊ ሰብ፣ ብፍላይ ድማ ኤርትራዊ መንእሰይ ከም ሃይማኖቱ ክኣምነሉ ዝግበኦ ሰረተ-እምነት፤ ንገበነኛ ኢሳይያስን ቁንጣሮ ጭፍራ ህግደፍን ብዱላ ምዝባጥ ዝብል ጥራይ ክኸውን ይግባእ። ኣበይ ኣላ ግን እታ ዱላ?

እቶም ካብ ምንጋጋ ኣረሜን ኢሳይያስ ፍትሒ ንምርካብ ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ጥራይ ኢዩ መፍትሒ ዝብሉ ዘለዉ መራሕቲ ናይ ገለ ሰልፊታትን ውድባትን፤ ውሑዳት ተበለጽቲን ብጥንታዊ ማሕላ ዝጸንዑ እሙናት ደቂ ዕቁብ ኢሳይያስ ምዃኖም እናተፈልጡ ይመጽኡ ኣለዉ። ሰላም ኣብ መቓብር ኢሳይያስ እትጥጥዕ ተኽሊ’ምበር፣ ንሱ ብሂወት ኣብ ዘለወሉ ግዜ እትዝራእ ፈልሲ ኣይኮነንትን። ክቡራት ኣሕዋተይ! ዱላ ኤርትራውያን ግን ኣላ’ዶ? መን’ከ ይሓዛ? ወ.ዘ.ተ… ዝብሉ ሕቶታት ክምለሱ እዋናዊ ጉዳይ ኢዩ።

ዓመተ-2014፣ ኣብ ዱሮ ንሓመድ ድበ ኢሳይያስ ኢና ዘሎና። ሎሚ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝነበሮ እምነት ጸንቂቑ ኢዩ። ንሱን ኩሉ መንግስታዊ ትካላቱን ከኣ ብደምህት ይሕሎ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን ኣፈርክቡ፡ ከም ኮቦሮ ጥሪ ክህረም ምተገብአ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ብወገን ናቕፋ ይኹን ሳዋ፣ ብወግን ደቡብ ይኹን ምብራቕ ኣብ ዘዝኸፈቶ ኣኼባትት ብህዝቢን ብሰራዊትን ንርእሱ ዘናውጹ ሕቶታት ክለዓሉ ጀሚሮም ኣለዉ። እቲ ቀደም ከም ሓደ ወረጃ መራሒ፣ ከም ነቢዪ ከይተረፈ ዝረኣየሉ ዝነበረ ግዜ ሎሚ የለን። ስለዚ ኩላትና ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ኣፈላላይ፣ ዕምሪ በላዒና ኢሳይያስ ኣራዊት ንምሕጻር ሎሚ ደዱላና ሒዝና ንዕደም ኣሎና። ሎሚ ኢሳይያስ ብዘይካ ናይ ክፍኣት ውጥን ምሕንጻጽ፡ ኣብ ምሕደራ ኤርትራ የለን። ኣብዚ ዱላ ኣድላዪ ኮይኑሉ ዘሎ ግዜ፡ ንኤርትራ ኣብ ውሽጢን ኣብ ደገን ብኩሉ ሸነኻት ዘመሓድሩዋ ዘለዉ፡ የማነ ገብረኣብን ሓጎስ ክሻን ኢዮም።

ከምቲ ብዕራይ ሰነ ነቲ ግናይ ወርሓት ፉፍፍፍ! እናበለ ጥራይ ዝሓልፎ፤ ኣባ-ጓይላ ጭፍራ ህግደፍ ኢሳይያስ ድማ ነቲ ዘለዎ ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማስያዊን ስነ-ኣእምሮኣዊን መዋጥር ንምስጋር ዘየሎ ክነሱ፤ ኣብ ፈቐዶ ዲጋታት ኣለኹ እናበለ ክሰሓግ ክንሰምዖ ወሪሕና ኢና።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘመን ኣፍ-ኣርክቡ ንሕና ደቂ ሔማ ኤርትራ’ምበኣር እንታይ ንግበር? ቅድሚ ኩሉ ጉዳያትና ኣብ ጉዕዞና ንሓርነት፣ መጓዕዝትናን ዘይመጓዓዝትናን ሰባት ከነለሊ ምተገብአ። ካብ ኣካይዳ ውሕጅ ዝኾነ መንገዲ ደምበ ተቓውሞ፡ ምህሮ ክቕሰም ምተገብአ። እወ! ኣብ አኢድና ዱላ ኣቦይ በሃይማኖት ሒዝና፡ ካብ ዘረባን ጽሑፋትን ናብ ግብሪ ክንሰግር ንሕተት ኣሎና። ካብ ፋሕ-ፋሕ ምባል፡ ምውንጃልን ብትሕቲ ሃገራውነት ብኣውራጃ ምዝራብን፣ ናብ ዝጸበበ ደምበ ክንጥርነፍ ግዜ ይሓተና ኣሎ። ኣይንህመም ህዝበይ! ንስመር፣ ኣብ ሓደ መስርዕ ንወደብ፤ ኣብ ሓደ መንደቕ ንልገብ!!

መልኣከ-ሞት መራሒ ህግደፍ; ድምጹ ብማይክሮፎን ኣብ ዝሰማዕናሉ ኣብ ዓመተ 2014፣ “እንጣጢዕ ንዘርእ ኣሎና” ክብለና ወሪሑ። ኣብ ግራት እንጣጢዕ ዝተኻዕወ ዘርኢ ድማ፣ ኣብ ግራት ሽዕበት ከም ዝተዘርአ ስርናይ ብርንሃዮ ክኸውን ዝከኣል ኣይኮነን። ብድሕሪ ቃለ-ኑዛዜ ኢሳይያስ ኣብ ሓድሽ ዓመት 2014፣ ጽባሕ ቢጊሓት ኣብ ጽላል ቀባሮ ወዛሕዛሕ ክንርኢ ኢና’ሞ፣ እቶም ብግዝያዊ ረብሓን ብትውልዲን ኣብ መስርዕ ኢሳይያስ ዝለገብኩምን ብኣግኡ ጸሊም መንጠሊና ዓድጉ ክንብለኩም ንደሊ።

‘ኣቦይ ዝሃቡኒ መንበር፣ ወዲቓ ዘይትስበር ሞይታ እውን ዘይትቕበር’ ዝብል፤ ንስም ዝገልጽ ሕንቅልሕንቅሊተይ ከም ዝነበረ ኣብ እትዝክረሉ ግዜ፣ ሓርበኛታት ኣቦታትና እኒ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ዓሊ፣ ወልደኣብ ወልደማርያም፣ ዓብደል ቃድር ከቢረ ራእሲ ተሰማ ኣስበሮም ወ.ዘ.ተ… ዝገደፉልና ካብ ስም እትዓቢ ሓያል መሳርሒ፣ ዘይትወድቕን ዘይትስበርን ሃብቲ ከም ዘላትና የዘኻኽረና። እምነት ኢያ! ነንበይኑ መልክዓት ዘለዋ ባህርያዊት ህያብ ኢያ።

እምነት ምስ ፍቕሪ ሃገር፣ ሃይማኖታዊ ክብሪታትን ባህርያዊ ፍቕሪን ዝተሓዋወሰት ህያብ ኢያ። እምነት ንዓና፣ ልዕሊ መዳፍዕን ልዕሊ ሚሳይላትን ኢያ። እምነት ንኤርትራውያን ንጊንጢ ኩነታት ብተኣምር እትቕይር ዘይትበርስ ባህርያዊት ህያብ ደቂ ሰባት ኢያ። ሎሚ ንሕና ኤርትራውያን ነቲ ብጭፍራ ህግደፍ ዝተመንዝዐ ሓርነትና ንምርካብ ኣብ እንቃለሰሉ ዘለና እዋን፤ ብርግጽ ነዚ ዓማጺ ስርዓት ብዘይ ዱላ ክንስዕሮ ኢና ኢልና’ዶ ንኣምን ኢና?

ገለ ምንቅስቓሳትን መራሕተንን ንጉዳይ ተቓውሞ ከም መንበሪ ወረቐት ወይ ፍቓድ ንግዲ ጥራይ ኢዮም ዝጥቀሙሉ’ምበር ንህዝቢ ኣለዓዒሎም ክርቢት ሰውራ ክሽርጥጡ ሓሊሞም’ውን ኣይፈልጡን ኢዮም። ካብ ኣብ ሓራን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ዘራጊቶ እዋን ንክነብሩ ዝመርጹ፤ ሓርነት፣ ልዕልና ሕጊ፣ ህንጻ ቅዋማዊ መንግስቲን ማዕርነታዊ ኣነባብራን ኣለርጂ ዝገብረሎም ሰባት ኣይሰኣኑናን ኢዮም’ሞ ዱላ ንሓዝ።

ብሕልና ምግዛእ ምልክት ሰብኣዊ ክብረት ኢዩ። ወዲ ሰብ ብመልሓሱ ዚዛረቦን ብሕልንኡ ዝፈርዶን ማዕረ ምስ ዘይከውን፣ ሕልና ኣልቦ ፍጡር ይበሃል። ሎሚ ኣብዚ ስርዓት ህግደፍ ዝሰሓገሉ ዘሎ እዋን ወዲነይ-ወዲነየ፤ ሓያሎይ ደቂ ሃገር ገለ ብረብሓ ገለ ከኣ ብክቱር ፍርሒ ንሕልንኦም ጸቒጦም ዓይኖም ንዝረኣየቶ ንክምስክሩ ኣይከኣሉን። ኣብ ወጻኢ ካብ ዘለዉ ብዙሓት ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበሩ ገዳይም ተጋደልቲ፣ ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ገዲም ወዲ ዕቁቦም ስለዝቖጸርዎ፤ ውሑዳት ድማ ኣብ ግዜ ሰውራን ብድሕሪ ናጽነትን ኣጸቢቖም ዝጠዓስሉ ብኢድ ኢሳይያስ ገበናት ስለዝፈጸሙ፤ ብዛዕባ ዕላማን መንገዲን ህግደፍ ሕልንኦም ዝወሰኖ ፍርዲ ክዛረቡሉ ኣይደለዩን።

ብዙሓት ኤርትራውያን ከኣ ንኢሳይያስ ከም ወዲ ኣውራጃኦም ስለዝመስሎም፡ ንሱ እንተወዲቑ ብካልኦት ኣውራጃታት ወይ ሃይማኖት ከይንግዛእ ካብ ዝብል ዘይበሰለ ሃምቦ-ሃምቦ ሓሳባት ኣብ ጎድኒ እዚ ዝቦኽቦኸ ስርዓት ተጣቢቖም ይርክቡ ኣለዉ።

ገለ’ውን ንኢሳይያስ ከም ወዲ ሃይማኖቶም ስለዝቖጽርዎ፣ ንሱ እንተዘየለ ብካልኦት ሃይማኖታት ክንግዛእ ኢና ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ንምድጋፉ መሪጾም። ሎሚ ገበነኛ ኢሳይያስ ካብ ሰዓት ኣፍ-ኣርክቡ ተመሊሱ ትንፋስ ክዘርእ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዘሎ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ዝርካቡ ሓይልታት ምክልኻልን ኣጸቢቑ ስለዝተለለየ፣ ኣብ ደገ ብዝስማዕ ጣቕዒት ተበለጽቲን ዘይንቑሓትን ንትርግታ ልቡ ከህድእ ዝከኣል ኣይኮነን። ሎሚ ኣብ ኩሉ ሸነኻት ኤርትራ ዘረባ ተፈንዩ ኢዩ። ሰብ ብዛዕባ ህግደፍ ቃሕ ዝበሎ ዝዛረበሉ ግዜ ተኸሲቱ ኣሎ’ሞ፡ ዱላ ንሓዝ ህዝበይ።

ከምቲ መሬት ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ሓዲራ በብቑሩብ ከብዲ ኣድጊ ትኸውንን ጸሓይ ኣዱንያ ትበርቕን ከኣ፤ መንነትን እንታይነትን ኢሳይያስ እናበርሀን እናተቐልዐን ክመጽእ ምዃኑ ኣይንጠራጠርን ኢና። ከምቲ ደጋጊምና ዝጸሓፍናዮ፤ ኢሳይያስ ወገን፣ ብሄር፣ ኣውራጃ፣ ወረዳ፣ ዓዲ፣ ሃይማኖት ዘይብሉ ኣረሜን ሰብ ኢዩ።

“ተሓቢኤን ይጠንስኦ’ሞ ሰብ ኣኪበን ይሓርሰኦ” ከም ዝበሃል፣ ኢሳይያስ እቲ ቅድሚ ኣርበዓ ዓመታት ኤርትራውያን ንምጽናት፣ ነዛ ሃገር ድማ ቡሶላ /ኮምፓስ/ ከም ዘይብላ መርከብ ናብ መኣዝኑ ዘይፍለጥ ግብ ዝበለ ጸልማት ንምድቕዳቕ ተሓቢኡ ዝጠነሶ ሰባብ ድቂ፤ ሎሚ ኣብ ዘመን ሳልሳይ ወለዶ ኤርትራ ብጥጅእ ደምህት ተጋሂዱ ኣሎ።
ናብቲ እንብህጎ ርሻን ሓርነት ንምብጻሕ፣ ‘ጀብሃን ሻዕብያን፡ ኣከለጉዛይ፡ ሓማሴንን፡ ሰራየን ቆላን ከበሳን፡ ኣስላምን ክርስትያንን ትግረን ትግርኛን ወ.ዘ.ተ… ከይተበሃሃልና፣ ናይ ትማሊ ዝነበረ መንገዲ ክንጥምት ይግበኣና። ኢሳይያስ ቅድሚ ትማሊ፣ ትማሊን ሎሚን ከመይ ዝኣመሰለ ሕብርታት ይቐያይር ከም ዝነበረ ንምፍላጥ ድማ ሕሩድን ዕጣንን ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን።

ንሕና ደቂ ቆላን ከበሳን ኤርትራውያን ዘይነጽፍ ፈለግ ኣሎና። ናይ ሎሚ መንነትና፣ ተግባራት ህግደፍ ብኣውራጃን ሃይማኖትን ዝሓምሮጎ ሓበጀራዋይ’ኳ እንተመሰለ፤ ኣይተረኮነን። ካብ ኤርትራዊ ክውንነት፣ ስነ-ምግባርን ባህሊን ዝሓከለ ዕሉል ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ እተን ንኣርበዓ ዓመታት ዝቓንየን ዝነበረ ስልኪታት ክራሩ ተበታቲኸን ኢየን። ሎሚ ኣብ ኣፍ-ኣርክቡ ዕምሩ ኣትይሉ ኣብ ዘለወሉ ተሃዋሲ ግዜ ድማ በታ ተሪፋቶ ዘላ እንኮ ዘይተበትከት ስልኪ ክራሩ ገይሩ ናይ ቀደም ደርፊ ንክደርፍ ዝመጣጠር ዘሎ ዘይክውንነታዊ ፍጡር ምዃኑ፡ ካብ እንግንዘብ ኣይወሓደን።

‘ተካል ሓሙ ሸዊት ሓጋይ ይእዝዝ’ ከም ዝተባህለ፤ ኣብ ኣፍ መቓብር ዝበጽሐ ውጹዕ ድማ ዘይእዝዞ ነገር የለን። ኢሳይያስ ካብ ቃሬዛ ንምምላስን ነቲ ኣብ ቀብሩ ንክብላዕ ዝተኣዘዘ ቋሬጣ ንምድንጓይን፣ ካብን ናብን የዕለብጥ ኣሎ። ሎሚ ኣብዚ ዓለምና ናብ ንእሽቶ ቁሸት እናተቐየረት ትኸደሉ ዘላ ዘመነ-ዓውላማ፣ ኢሳይያስ ብሂወት ኣብ ልዕሊ መሬት ክሳብ ዘሎ፤ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ባኒን ፍትሒን ክመጽእ ማለት ዘበት ኢዩ። እሞ ኣንታ መንእሰይ ዓይኒ ከተማ፡ ነታ ከም ጽላተ ሙሴ ዝጠፍአት ዱላ ኣቦይ በሃይማኖት ሓቢርካ ድለያ’ሞ ንፍትሒ ቀልስ።

[email protected]

መልሲ ንኣቶ ሳልሕ ቃዲ ጁሃር!!!!

መልሲ ንኣቶ ሳልሕ ቃዲ ጁሃር!!!!

“ዓቢ ሰብ ክጋገ ፡ ጌጋኡ ክንዲ እምባ ይኸውን” ኣባሃህላ ቐዳሞት፡

ኣቶ ሳልሕ ቃዲ፡ ካብቶም መቓልሰተይ፡ መሰታይ፡ መምህር፡ ጻሓፋይ፡ ኢለ ዝቖጽሮ ሰብ ነበረ። ኣብ ቃል ኣቶ ሳልሕ ክምርኮስ “ኣፍካ ከምድላይካ ትበልዓሉ እምበር፡ ከምድላይካ ኣይትዛርበሉን” ኢሉ ዝእርም ሰብ ነበረ። መርበብ ዜና ዓዋተ፡ ምስ ጀመረ፡ ዕባይ ከተማ “ ከረን”፡ብምዃኑ፡ መሰረት ብምግባር፡ ተጋዳላይ፡ ስደተኛ፡ ዝተማህረ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ከም መሰጋገሪ ድልድል ኣብ ህዝብና፡ ክኸውን ይኽእል ዝብል እምነት ነበረኒ። ሕጂውን፡ ተስፋ እገብር፡ ናብ ልቡ ተመሊሱ፡ ኣብቲ ትጽቢት ዝግበሮ ዘሎ፡ ሽግር ህዝብና ኣብ ምፍታሕ፡ ከይሰልከየ፡ ከም መሰጋገሪን፡ ኣራኻብን፡ ኣብነትን፡ ኣራምን፡ ዓራቕን፡ ጠርንፍን፡ኮይኑ ክሰርሕ ክሳብ ሓይልን፡ ዕድመን ዝሃቦ፡ ኣገልጋሊ ህዝቡ ንክኸውን እትስፎ። ኣብዛ ሳዓት እዚኣ ግና ተስፋ ኣቑሪጹኒ ይርከብ፡ ትዕዝብተይ ክገልጽ ይጅምር።

  1. ኣቶ ሳልሕ፡ መርበብ ዓዋተ፡ “ሓቅን፡ ኣታዓራቕን፡ ሓሳብካ ብነጻ ምግላጽ” እዩ ዓላማኣ፡ ኣስዕብ ኣቢልካ “ምምሃርን ወይ ምሕባርን፡ ምትብባዕን፡ ምድልዳልን ወይ መሰረተ ጽንዓትን” ካብ ኮነ፡ ንምንታይ ካብ መሰረተ እምነቱ ዘንብዔ?
  2. ህዝቢ ኤርትራ ቆላኡ ደጋኡ፡ ኣስላማይ ክስታናይ፡ ኣብ ሓደ ባይቶ ተኣኪቦም ዝዘተይሉ ኣብ “ቤት ገርጊስ” ኣስመራ 1946 ዓመተ ምህረት ነበረ። ዳግማይ ናይ ህዝቢ ባይቶ ከም ህዝቢ ኣብ ምንታይ ኩነታት ንርከብ፡ እንታይ ይሓይሽ ዝተባህለላ፡ 2010 ኣብ ኣቃቂ ወይ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ እዩ። ካብ 1946 ክሳብ 2010 ናይ ህዝቢ ብጉዳይ ሃገሩ ዘትዩ! እንተዳኣ ኮይኑ፡ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ወይ ብህዝባዊ ሓይልታት ቀጺሉ ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ክኸውን እንከሎ ውድባውን ጸቢብን እዩ ዝነበረ።
  3. ታሪኽ ኣመጻጽኣ ገድሊ ምድጋም ኣየድልን ኩሉ ዝፈልጦ ስለዝኾነ፡ እንተኾነ ኣጀማምራኡ፡ ኣብ ካይሮ ዩኒቨርሲቲ ብተመሃሮን፡ ብዓበይትን፡ ደቂ ዉሱን ዓለትን፡ እስልማና ኣመንትን፡ ስለዝተመስረተ፡ ጽበትን ዓብላልነት፡ ጠባያቱ ተግባሩን፡ ዝጀመሮ በደል ኣብ ህዝቢ፡ ክስብ ሕጂ በሰላኡ ኣይሓወየን።
  4. ኣቶ ሳልሕ፡ ኣብ ጽሑፉ “ ኣብ ሱዳን ዘለዉ ስደተኛታት ብደቂ ከበሳ ተረሲዖም” ክብል ጸሓፈ። ኣቶ ሳልሕ ካብ 1965 ንደሓር ዝተገብረ ግፍዕታት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ዘስዓቦ በደል ብኣሻሓት ዝቑጸር ኣካል ህዝብና ንስደት ስለ ዘምረሔ፡ መንእሰይ ከበሳ ስቕ ኢሉ ኣይረኣዮን፡ ካብ ከተማት ኤርትራ ኮነ፡ ካብ ከተማት ኢትዮጵያ ሕነ ንኽፈዲ ንመዳ ኤርትራ ናብ ቃልሲ ኣምርሔ፡ ኣብ መዳ ግና ከምቲ ዝተመነዮ ኣይጸንሖን። ካብ ዜጋኻ ዘይትጽበዮ ሽግርን፡ ተጋድሎን ጸንሖ። ቃልሲ፡ ከቢድን መሪርን ነበረ።ኣብ ቃልሲ ኣትዩ እጃሙ እና ኣበርከተ፡ ከም ሰላይ ተቖጺሩ ዝተቐንጸሉ፡ ዉሑዳት ኣይኮኑን። 1969 ድሕሪ ጉባኤ ኣደቡሓ እንታይ ተርኽበ?፡ ናይ ዉድብ ምብትታንን፡ ምፍንጫልን፡ ኣብ መንጎ ተጋደልቲ ኣቀናጻልን ነበረ።1977 ፋሉል ተባሂሉ ዝተቐንጸለ ተጋዳላይ ዉሑድ እኮ ኣይነበረን። ናብ ህግደፍ ኣትዩ ኣብ ኩናት ባጽዕ ኣትዩ ብጨው ተበልዔ። መንእሰይ ከበሳ ብኽልተ በትሪ ተቐጥቐጠ፡ ንኽሃድም ዝተገብረ ብመራሕቲ ተሓኤ፡ ተረሲዑ ድዩ?
  5. ኣቶ ሳልሕ፡ ብሓቅነትን፡ ብግሉጽነት፡ ኣብ ሕድገትን፡ ኣብ ዕርቕነትን፡ ዝመርገጹ! ኣብ ኣዋሳ ዝተገብረ ጉባኤ፡ ፍትሓውን፡ ዲሞክራሲ ዝዓሰሎን፡ ከዝነበረ መዝገበ። ኣስዕብ ኣቢሉ ሲቪካውያን ማሕበራት ወካሊ ኣቶ ተኽላይ ኣብራሃ ኣትዩ ምስ ተባህለ፡ “ሰማይ ፈረሰ” ዝዓይነቱ ጽሑፍት ኣብ መርበብ ዓዋተ ተመዝገበ።
  6. ዉድብ ኩናማ፡ ኣብ ልዕሊ ስዉእ ተጋዳላይ ዓዋተ፡ ዝሃብዎ ርእይቶ ወይ ዕቃበ፡ መሰል ዜግነቶምን፡ መሰል ብሄርነቶም፡ መሰል ዉድቦም፡ ተጋሂሱ ካብ ኣባልነት ባይቶ ንኽስጎጉ፡ ዓቢ ቃልሲ ብኣቶ ሳልሕን ብጾቱን ተኻየደ፡ ዉድባት ተዳሙ (ጂሃዳውያን) ኣብ ባይቶ ብዝነበሮም ዓብላልነት “ንዉድብ ኩናማ ካብ ባይቶ ክስጎጉ ዉሳነ ኣሕለፉ” ኩናማ ካብ ባይቶ ተገለሉ። ብሰንኪ ኣቶ ሳልሕ ባይቶ ሕንፍሽፍስ ኣተዎ፡ ክሳብ ሕጂ ባይቶ መንነቱ ኣጥፊኡ ይርከብ።
  7. ኣብ ልዕሊ ዶክተር ኣርኣያ ደበሳይ፡ ዶክተር ዑቕባዝጊ ዮሃንስ፡ ዶክተር ኣፈወርቂ ጳውሎስ፡ ዶክተር ኪዳነ መንግስታ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ መሰረት ኣልቦ፡ ዘይውርዝዩ፡ ሓልፍነት ዝጎደሎ፡ ካብ ኣቶ ሳልሕ ዘይትጽበዮ ድፍረትን ግህሰትን፡ ጭልቅዕነትን፡ ኢልካ ዝሕለፍውን ኣይኮነን። ጽዩፍነት ተራእየ ንነብሱ ልዕሊ ጳጳስ ሰሪዑ ክዘንፍ ተርኽበ።
  8. ኣቶ ሳልሕ፡ ኣብ ልዕሊ ማንም ዜጋ ባጀላ ናይ ምሃብ መሰል የብሉን፡ እንተኾነ፡”ጭጉራፍ ወቒዓ ተእዊ” ከም ዝባሃል፡ መርዛም ብርዒ ሒዙ ኢዱ ከንዉሕ ኣይነበሮን፡ ኣንውሔ ዳኣ።
  9. ኣቶ ሳልሕ፡ ነቲ ኣብ ቪየና ቭርጂንያ ዝተገብረ ኣኼባ ናይ 22-23 ጥቅምቲ 2014 “ መስቀላውያን”፡ ኢሉ ሰየሞ። ግዜ ሕጅራ ከነዝክሮ፡ ነቢ ሞሓመድ፡ንሰዓብቱ “ከይንበርስ ንስኹም ናብ መርየት ሓበሻ ኪዱ፡ ንጉስ ሓበሻ ተቐባሊ ጋሻ እዩሞ ኪዱ ኢሉ ከም ዘሳናበቶም” ኣብ ሓዲስ ኣሎዶ ኣይኮነን? “ኣስላም ዓረብ ብሴፍ ኣመኑ፡ እንተ ኣስላም ሓበሻ ብመልእኽቲ ኣመኑ” ዝብል ከምዘሎ ተረሲዑድ? ኣብ ምድሪ ሓበሻ (ኤርትራ ኮነ ኢትዮጵያ) ኣመንቲ እስልምናን ክርስትናን ሓቢሮም ከም ዝነብሩ ተረሲዑዶ? ኣቶ ሳልሕ፡ እዚ ኣኼባ ክምስገን ዝነበሮ እዩ። ኣቶ ሳልሕ፡ ስለ ዘይፈተዎም መስቀላውያን ኢሉ ክሰሚ፡ ናይ ገበን ገበን እዩ።
  10. ኣቶ ሳልሕ፡ ጽቡቕ ፍቓዱ ኮይኑ፡ “ንሕናን ዕላማን” ኢልኩም ሰይሙ በለ። “ዘዕበኻዮ ዱሙ፡ ሃይለማርያም ስሙ” ኣቶ ሳልሕ፡ እንታይ ወረደካ?

    ናይ መዳ ኤርትራስ፡ ይትረፍ “ ኪዳነን፡ ወልዳይ” ኣብ ከሰላ ከም ሽጉርቲ ከም እተሓርዱ፡ ረሲዕካዮዶ?

  11. ኣቶ ሳልሕ፡ ካብ ትግርኛ ዝዛረቡ ስድራቤት ዝውለድ፡ ትግሪኛ ንኸይዝረብ ወይ ከይጻሓፍ ኣብ መርበብ ዓዋተ ዝኽልክል ሰብ እዩ።
  12. ኣብ መርበብ ዓዋተ፡ “ንዓሊ ሳልም፡ ህዝቢ ከበሳ ገበቲ መርየት፡ መርየት ባርካ ወሪሮሞ፡ ክርስትያን ጎበጥኹም” እናበለ ሓዊ ንኸሳዉር፡ ዓገብ ከይበለ፡ ናይ መሰል ጽሑፍ ስለ ዝኣምን፡ ኣይክልክሎን፡ ኢሉ ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝብና ንኸናውጽ ዕድል ዝህብ ሰብ ነበረ። ኣይተ ዓሊ ሳልም ካድር ናይ ህግደፍ ኣብ ስደት ካብ ዝርከቡ በታተንቲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ከምዘገልገለ ታሪኽ ይምስክሮ። ኣቶ ሳልሕ ብሰንኩ፡ ተጸርፈን፡ ተዘልፈን፡ ኣነውን ከይተርፍኩ፡ ወይ በሃሊ ኣቕርብ ወይ ንስኻ ኮንካ ትርከብ ኢለ ነይረ።
  13. ኣቶ ሳልሕ፡ “ግሉጽነትን፡ ኣታዓራቕን፡ሓቅነትን” ካብ ኮነ መርግጹ! ንምንታይ ብሓሳብ ምስ ዘይሳማምዕዎ፡ ኣስማት እናሃበ ኣብ ምትህልላኽ ዝኣቱ? ኣቶ ዮሰፍ ገብረሂወት፡ ብዝጽሕፎ ርትዓውነት ዘለዎ መጎተ! ኣብ ክንዲ ጭብጢ፡ ብጭብጢ፡ ዝምጎቶ፡ “ማሕበር ኣንድነት” ኢሉ ኣጠመቖ። ማንም ዜጋ መሰል ኣለዎ፡ ርእይቶኡ ክዛረብ፡ ክጽሕፍ፡ ክቃወም፡ ክድግፍ፡ ስቕ ንኽብል ናይ ዉልቂ መሰል እዩ። ማን ዜጋ ንሓደ ዜጋ፡ ኣፍካ ሓዝ፡ ናይ ምባል መሰል የብሉን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ገበን እዩ። ኣቶ ዮሰፍ ኣብ ዝምጉተሉ እዋን፡ ኣድነት እናተባህለ ተዘልፈ።
  14. ብዛዕባ ስደተኛታት ኤርትራውያን፡ ሓደን ዝሓሊ፡ ካልእን ከም ዘይሓሊ እናገበርካ ምኽሳስ! ንማንም ዘርብሕ፡ ኣይኮነን። ኣሕዋትና ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ሽግሮም ኣይተፈትሔን፡ ስዒቡ፡ ድሕሪ ነጻነትስደዱ ገደደ። ነዚ ኹሉ ጸገም ስርዓት ኢሳያስ ዘምጽኦ ምኻኑ እናተፈልጠ፡ ነቲ ዝውጻዕ ዘለ ህዝቢ ቆላ ኾነ ደጋ፡ ፈላሊኻ ምርኣይ ዘይሓላፍነታዊ እዩ። ዘይተወጽዔ ብሄርን፡ ዘይተወጽዔ ሃይማኖትን ኣብ ኤርትራ መን ኣሎ? ኣብዚ ጉዳይ ከም ዘይምልከተካ፡ ኣእዳውካ ኣጣሚርካ ዘይራኣዮ እዋን፡ ሓቅነት ዘይብሉ ክስታት መድለየዶ?። ህዝብና ኣይጠዓሞን ፍትሒ ኣይረኸበን፡ ምእንቲ ፍትሒ፡ ብግልጺ ክንዘራረብ ኣለና ማለት “መስቀላውያን” ዘብል ድዩ?
  15. ህዝብኻ ኣብ ዝተጥርነፈሉን፡ ዝተኣኻኽበሉን እዋን፡ እንታዩ ጸገምና? ሓቢርና ክንሰርሕ ዘየኽእለና እንታዩ ከስርሓና ዘይክእል? ኣብ እንብለሉ፡ ኣቶ ሳልሕ፡ ንምንታይ ኣብዚ ሰዓት እዚ ኣጸያፊን፡ ዓንቃፍን ኣተሓሳስባ ኣተወ? ዝብል ሕቶ ክምለሽ ናይ ግድን ይኸውን። እዚ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ሕሊናዊ ሕቶ እዩ።
  16. ኣቶ ሳልሕ፡ ንኣቶ ዓሊ ሳልም ህዝቢ ዘናቑት ጽሑፉ ኣብ መርበብ ዓዋት ክዝርጋሕ እንከሎ! ናይ መጀመርያ መግለጺ ቁጽሪ ሓደ ካብ ኤርትራውያን ንምጥጣሕ ሃገርዊ ዘተ ዝተላእከ ፡ መሃርን ሃናጽን ኣብ ዓዋተ ንኸይወጽእ ከልከለ። “ኣነን ሓጺሩኒ ይብለ ንሱን ተደቢሩ ይስዕስዕ” ከምዝባሃል፡ ኣቶ ሳልሕ ነቲ ብግልጺ ዝተገብረ ኣኼባ ናይ መስቀላውያን ክብል ደፈረ።
  17. ተጋደላይ ዓብደላ ሱለይማን ሓላፊ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ዝነበሮ ኣኼባ፡ ኣብ ኣኼባ ብሱልን ሃናጽን ኣስተምህሮ ከም ዝሃበ፡ “ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ከይተፈትሔ ዝጸንሔ ምዃኑ ደጋጊሙ ኣብርሄ” ኣብ እዚ ኣኸባ ተሳቲፉ ጥራሕ ዘይኮነ ብ ኣፍልጦ ታርኽ ህዝብና ገለጸ። ኣብዚ ምስታፉ መስቀላዊ የብልዶ?
  18. ኣቶ ሳልሕ፡ ንወይዘሮ ሶፍያ ተስፋማርያም ፡ኣፈ ቀላጤ ህግደፍ ኣብ ሰምየን ኣመሪካ ዘኒፋትኒ፡ ወይስ መሰለይ ጊህሳትኒ ኢሉ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ከምዘይ ኣቕረበ፡ ህዝቢ ገንዘብ ከምዘዋጺኤ ንጠበቓ ዝዝከር እዩ።ዉሳነ ፍርዲ ኣብ ምንታይ ከም ዝዓለበ ፍሉጥ መግለጺ ኣይተዋህቦን። ገለገለ ሰባት ኣብ ልዕሊ ኣቶ ሳልሕ ቅንዕናኡ ሕቶ ዘለዎም ኣለዉ።

ሕጂ ድኣ ንምንታይ ንባዕሉ ዘናፊ፡ ገሃሲ፡ ኣቖናጻቢ፡ ደፋሪ፡ ተጻራፊ ወይስ ዘርጊ ኮይኑ ተረኽበ?።

ሓቅነትን ግሉጽነት መሃርነትን ምትብባዕን መሰል ዜጋ፡ መሰል ብሄር፡ መሰል እምነት ንዝኣምን፡ መሰል ንዘይኣምን፡ ኩሉ ዜጋ ብሰላም ብቕሳነትን ካብ ድንቁርናን ድኽነትን ህዝብና ንኽወጽእ እንተድኣ ንሓልየሉ ኮና? ኣብ ምክብባርን ትዕግስትን ዝተመርኮሰ ክንጽፍን ክንምህርን ይግባኣና።
ናይ ሃገርና ጸገም ነዊሕን ኣድካምን ተሓላልኽን ስለ ዝኾነ ለበዋና ኣብ ምርድዳእ ዝዓለም ኮይኑ፡ ንህዝብና ካብ ጸላም መነባብሮን፡ ፍትሓውነትን ከነንብሮ ቅዋምን ህዝባዊ ስርዓትን ዲሞክራሲን ክጥጥዕ፡ ናይ ኩሉ ዜጋ ተሳታፍነት ይሓትት።

ዓወት ንዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ
ፍትሂ ይንገስ

ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
22 ሕዳር 2014

ዓሚ ዝሞተ ምራኽ ፈኑ፡

ዓሚ ዝሞተ ምራኽ ፈኑ፡

ሃብተማርያም ኣብራሃ
ሎንዶን-ዓዲ እንግሊዝ
ሕዳር 16 2014

ክቡራትን ክቡራንን ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ሰናይኩም እምነ። ብፍላይ ድማ ዝነኣስኩም ዝተፈተኹም ጀጋኑ ደቀይ! ኣብቲ ብረዚን ዝናር ተተሓሒዝኩሞ ዘለኹም ሃገራዊ ቃልሲ ዓወት ንክትረኽቡ እምነየልኩም። ኣነ ከም ትማሊ ሎሚ’ውን ኣብ ጎድንኹም ኣለኹ።

ከምቲ ‘ሚያዝያ ቀጥ ኣቢልካ ምሓዝያ’ ዝበሃል ተረት ኣቦታትኩም ድማ፡ ነዚ ሒዝኩሞ ዘለኹም ሃገራዊ ጉዳይና ቀጥ ኣቢልኩም ንክትቅጽልዎን ናብ ፍጻሜ ንከተብጽሕዎን ንእግረ መንገደይ እላበወኩም። ስመሩ ሓደ ኩኑ ክቡራት ደቀይ። ብዘይ ሓድነት ዝጭበጥ ዓወት ስለዘየለ ድማ፡ ሓርበኛታት ኣቦ ሓጎታትኩም፡ ስለ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ክብሉ ክልተ ሃይማኖታት ኣስላምን ክርስትያንን ብሓደ ስጋ ሓሪዶም በሊዖም ኢዮም።

እነሆ እዚ ብጻዕዳ ኢዱ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እንኮላይ ብጸሊም ኢዱ’ውን ንሰውርኡ ን30 ዓመታት ዘገልገለ ሓርበኛ ህዝብኹም፡ ዘይጻምኡ ረኺቡ። ናይቲ ንጉዳይና ብጽኑዕ ቀይዲ ሒዝዎ ዘሎ ጨካን ግዝኣት ኢሰያስን ጉጅለ ህግደፍን ፍሉጥ ዝኾነ ነገር ኢዩ።

እቲ መመሊሱ መስደምም ኮይኑና ዘሎ ጉዳይ ግን፡ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ዝረአ ዝነበረን ገና’ውን ዘሎን ሒቕታ ደምበ ተቓውሞ ኢዩ። ከምቲ ኣኽላባት ኣብ ዓጽሚ ዝበኣሱ፡ ደምበ ተቓውሞ ድማ እነሀዉ ኣብ ክንዲ ሓቢርካ ጸላኢኻ ሓሕ…ሕ ምባል፡ ንሓድሕዶም ምንኻስ ስርሖም ገይሮሞ ኣለዉ። ኣብ ጉዕዞ ታሪኽ እዚ ደምበ እዚ ከም ዝረኣናዮ፡ ኣብ ጸጽባሕ ህግደፍ ንምውዳቕ ኣይትሓዙኒ ዝብል ጭርሖታት ከም ዝነበሮ ንዝክር።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ፈኸራ ብዘይካ ዓፍራ ዘፍረዮ ነገር ኣይነበረን። ሎሚ ሙሉእ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ረዚን መስገደል ህግደፍ ተቖሪኑ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፡ ብጉዳይ ህዝቢን ሃገርን ላግጺ ኣምበይመድለየን። ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ብሓበራ ሞት ኢሳይያስ ንክቀላጠፍ፡ በብሃይማኖቱ ይጽሊ ኢዩ ዘሎ። እዚ ጸሎት እዚ ከኣ፡ ጋህዲ ክኸውን ኢዩ። ኣብ ክንዲ ንሓድሕድካ እሂን ምሂን ተበሃሂልካ፡ ከምቲ ክቡራትን ለባማትን ወለዲ ዝብልዎ፡ ናይ ጎቦ ዘሎ ንፋስ ይውሰዶ፣ ናይ ሩባ ዘሎ ከኣኒ ውሕጅ ይበቁጾ ምብህሃል፡ ሓድሕዳዊ ኲናት በዚሑ ንርእዮ ኣለና። ህዝቢ ኤርትራ ኩላትና ከም እንፈልጦ፡ ኣብ ደገ ካብ ዘሎ ደምበ ተቓውሞ ብዙሕ ተስፋ ነይሩዎ ኢዩ።

እቲ ተስፋ መመሊሱ ስለዝቐሃመ ግን፡ ጉዳይ ህዝቢ ካብ ኢድ ደምበ ተቓውሞ ከም ዝወጸ ተጋሂዱ ኣሎ። ስለዚ ደምበ ተቓውሞ ብደረጃ ውድባት፡ ባይቶ ይኹን ሓድሽ ኣስማትን ውዳበታትን እንተተኣከበ፡ ንሓንቲ ስጉምቲ እውን ትኹን ምንቕ ክብል ኣይክእልን ኢዩ።

ምኽንያቱ ምስቲ ኣብ መስገደል ዘሎ ህዝቢ ምትእስሳር ስለዘይብሉ። ከም ተመኩሮና፡ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ክንዲ መመሊሱ እናሓየለን እናተወደበን ዝኸይድ፡ መመሊሱ እና ተዳኸመን ፋሕ-ብትን እናበለን ክኸይድ ኢዩ ዝረአ ዘሎ። ኣብ ክንዲ ካብ ዓሚ ሎሚ ይሓይሽ ድማ፡ ካብ ዓሚ ሎሚ ይገድድ እናበልና ንኸይድ ኣለና። ከም እንዝክሮ ደምበ ተቓውሞ ቅድሚ ኪዳን ኣብ ግዜ ምሕዝነት ከመይ ነበረ? ብድሕሪ ምምስራት ኪዳንን ኮሚሽንን’ከ እንታይ ይመስል ነበረ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ደገን ውሽጢን ከመይ ዝኣመሰለ ሞራልን ኒሕን ከም ዝነበረ ናይ ቀረባ ትዝታና ኢዩ።

ብኣንጻር ደላዪ ፍትሒ ኤርትራዊ ከኣ፡ ሞራልን ሕልናን ህግደፍን ደገፍቶምን ባይታ ዘቢጡ ከም ዝነበረ ኩሉ ዜጋ ዝምስክሮ ኣማን ኢዩ። ደምበ ተቓውሞ ኢሉ ኢሉ ከም ሓደ ሃገራዊ ቅርሲ መጠን፡ ባይቶ መስሪቱ፡ ህላውኡ ኣብ ዘረጋገጸሉ ግዜ፣ ዓወት ንጽባሕ’ዶ ድሕሪ ጽባሕ ትባሃል ነበረት። ብዘይካ ምብታን ምርጋእ ዘይተዓደለ ደምበ ተቓውሞ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 600 ዜጋታት ተኣኪቦምን መሪሕነቶም መሪጾምን ከብቅዑ፡ ኣይ ዓመት ኣይ ክልተ ዓመት ብዘይ ጠቅም ዘረባታት ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ-ፋሕ በለ።

ምፍራስ እዚ ዓቢ ዋርካ ድማ ኣብ ጉዕዞ ደምበ ተቓውሞ በዚ ከምዚ መዓልቲ ክዕረ ኢዩ ናብ ዘይበሃለሉ ደረጃ በጽሐ። ከምቲ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ‘ዓሚ ዝሞተ ምራኽ ፈኑ’ ዝበሃል ምስላ፡ ሎሚ ብድሕሪ ፈጺሙ’ውን ዘይጽገን ባይቶ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምትእኽኻብ ሃገራዊ ባይቶ ዝብል ዜናታት ከም ጽውጽዋይ ንሰምዕ ኣለና። ክቡራት ደቂ ኤርትራ! ኣብ ክንዲ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሸውየስ ገለ መራግእቲ ክትፈጥሩን ነዚ ዝጠፍእ ዘሎ ህዝብና ከተድሕኑን ምተገብአ። ኣበይ ኣሎ ባይቶ? ኣበይ ኣሎ መሪሕነት ባይቶ? ስራሓት ባይቶ’ኸ ብከመይ ክድህሰስ ይከኣል? ሎሚ ብድሕሪ እቲ ኣብ ከውሒ ከም ዝወደቐ ዕትሮ ናብ ኣጋልዕ ዝተቐየረ ሃገራዊ ባይቶ፡ ኣብ ሰረቱን ጽላሉን እንታይ ዓይነት ሓድጊ ኣሎዎ? ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራውያን ዳግማይ ክርከብ ዘይክእል ዕድል ኢዩ ተጣሊዑሉ ዘሎ።

ንከምቲ ዝኣመሰለ ህንጻ ርእሰ-ቅትለት ምግባር ድማ፡ ብዘይካ ቅድድም ንኮረሻ ስልጣን ካልእ ዘይንፈልጦ ቁንቁኛ የብሉን። ሎሚ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ተቓዋማይ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ ዘሎ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ኩነታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ። እታ ኣብ ክሳድ ኢሰያስ ዝኣተወት ገመድ ከኣ፡ መመሊሳ ትሽንቆቕ ከም ዘላ፡ ምስክር ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን። እሞ ደምበ ተቓውሞ ከምዚ ንዝኣመሰለ ዝበሰለ ጉዳይ ኣብ ክንዲ ብዘይ ወዓል ሕደር ነኺስካ ናብ ጥቕሚ ህዝቢ ምውዓል፡ ዓሚ ዝሞተ ምራኽ ፈኑ ዝዓይነቱ ሕሉብ ዓረም፡ ባይቶ ኣኼባታት ይገብር ኣሎ ይብሉና ኣለዉ። ንመስደምም ዝኾነ ነገር ኢዩ።

ከምቲ ‘ንሱ ዝሞተ ዓሚ ሰነ፡ ኣነ ዝሰማዕኩ ሎሚ ቅነ’ ዝበሃል፣ ሃገራዊ ባይቶ ዓሚ ሞይቱን ተቐቢሩን ክነሱ፡ እቶም ዕሩባት ሕልና ኣሎ እናበሉ ተኣኪቦም እንተበሉና፡ ንነፍስኻ ምትዕሽሻው ጥራይ ኢዩ። ኣብ ታሪኽ ንግስነት ኢትዮጵያ፡ ጓል ሃጸይ ምነሊክ ንግስቲ ዘውዲቱ ሞይታ ክነሳ፡ ኣላ ይበሃል ነበረ። እቶም ጥበበኛታት ብሄረ ኣምሓራ ንግስትና ኣላ እናበሉ ንሓሙሽተ ዓመታት “ዝባን ንግስቲ ዘውዲቱ” ከም ዝበሃል ይገብሩ ከም ዝነበሩ ታሪኽ ይነግረና። ስለዚ ጉዳይ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን ጉዳይ ሞት ንግስቲ ዘውዲቱን ሓደ ኢዩ እንተበልኩ ዝተጋነነ ኣይኮነን።

እሞ’ኸ እንታይ ይገበር፡ ናበይ ገጽና ንኺድ? ህግደፍ ኣማን ብኣማን፡ ነቀይ ነቀይ ካብ ዝብል ነዊሕ እዋን ገይሩ’ኳ እንተኾነ፣ ሕጂ ግን ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ክወድቕ ኢዩ። ኣዋድቓ ከየኽፍእን ኣብ ጻዕረ-ሞቱ ደም ንጹሃት ንከንቱ ከየፍስስን ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብጠቕላላ ካብ ሎሚ ንደሓር ናይ ሰላም ኣየር ኣብ ሃገርና ንክነፍስ ካብ ሎሚ ሓደ ኣካል ኮንካ፡ ንሓድነትካ ዘምር።

ኣብ መደምደምታ፡ ባይቶ በታ ‘ኣይቀበጹ’ ትበሃል ኣብ ቆላ ሰራየ ዝነበረት ዓዲ ክምስሎም ምደለኹ። ዘመነ ድርቂ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኢዩ። ሓደ ቀውዒ እቶም ዓዲ ‘ኣምላኽ ይከኣሎ ዘይሰኣኖ ኢዩ’ሞ ወላ ቀውዒ ይኹን እዝግዮ ኢልና ንጸሊ’ ተበሃሂሎም ናብ ዶጎል ዓዲ ወረዱ። ‘እዝግዮ’ ክብሉ ዝረኣዮም ሓደ ሓላፍ መንገዲ፡ ቀሪቡ ምትእኽኻቦም ምስ ነገርዎ፣ ሎሚ ቀውዒ ደኣ መኣስ ስለ ማይ ኮይኑ ዝጽለ። ሎሚስ ስለ ኣንበጣ ኢዩ ዝጽለ ኢሉ “ኣይቀበጹ” ዝብል ስም ኣጠሚቑዎም ሓለፈ ይበሃል።

እምበኣርከስ ጉዳይ ባይቶን ጉዳይ ዓዲ ኣይቀበጹን ሓደ ኢዩ። ሎሚ ኣብ ክንዲ ብሓደ ቅልጽም ነዚ ጨካን ስርዓት ምድምሳስ፡ ንሓድሕድካ ምውንጃል ምምራጾም ንመስተንክር ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለኻ ህዝቢን ሰራዊትን ኤርትራ፡ ጸቒጡካ ንዘሎ ፍርሒ ሓንሳብን ንሓዋሩን ያዕ ኢልካ፡ እምኒ ወንጭፍ ሓዝ፣ ንግንባር ጎልያድ ፈጊጽካ ድማ ነናብ ገዛና ኣእትወና። ኣጆኻ ህዝበይ! ንእሾኽ እሾኽ ኢያ ተውጽኣ’ሞ ደጊም ኣራግጻኻ ኣይትቐይር።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!

ውድቀት ንጨካን ስርዓት ኢሰያስ

‘ደቂሰ ነይረ ተበራቢረ’ ላልማየ ላሎ! ኣቶ ገብሩ ኣስራት፡ ካልኣይ ክፋል

‘ደቂሰ ነይረ ተበራቢረ’ ላልማየ ላሎ! ኣቶ ገብሩ ኣስራት፡

ካልኣይ ክፋል

ረድኢ መሓሪ /ኣለና/

ኣቶ ገብሩ ኣስራት ብድሕሪኡ ንዝተሓብአ ኣጀንዳ ዝትግብር ዘሎ ኮይኑ እስመዓኒ። እቶም ናጽነት ኤርትራ ዘይወሓጠሎም ትምክሕተኛታት ኢትዮጵያውያን ኣብተን ቦኽሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጋቢኦም ነይሮም ኢዮም። ኣብቲ ዝተገብረ ኣኼባ፡ ነፍስ-ሄር መለስ

ዜናዊ ኣርሒቑ ብዝጥምት ስትራተጂ፡ “…ብዛዕባ ኲናትን ሳዕቤኑን ብወረ ዘይኮናስ ብኣካል ኣጸቢቕና ስለ እንፈልጦ፣ ዳግማይ ውግእ ኣየድልን ኢዩ። ኣይፋሉን ንሕናስ ክንዋጋእ ኢና ዝብል ሰብ እንተሎ ድማ፡ ዘድሊ ዕጥቅን ስንቅን ሂብና ክሳብ ናብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከነብጽሓኩም ንኽእል ኢና” ኢሉዎም ከም ዝነበረ እዝከረኒ። ሎሚ ደኣ ስለምንታይ’ዩ ኣቶ ገብሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ግሁድ ኲናት ኣዊጁ?

ከምቲ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያውያን ጥራይ ዝምልከት፡ ጉዳይ ኤርትራ’ውን ንኤርትራውያን ጥራይ ኢዩ ዝምልከት። ንነዊሕ ዓመታት ተዓጽዩ ዝነበረ ድጉል ሸውሃት፡ ሎሚ በጨቕ እንተበለ ድማ፡ ከምቲ ‘ጸማም ሓደ ደርፉ’ ዝበሃል፣ ላልማየ-ላሎ ጥራይ ኢዩ። ልክዕ’ዩ ህዝቢ ኤርትራ በዚ ኣብ ልዕሊኡ ተጻዒኑ ዘሎ ሓጺናዊ መስገደል ህግደፍ፡

ኣስካሕኪሑ ኢዩ። ተኣሲሩ፡ ተሰዲዱን ተዋሪዱን ኢዩ። ኣብ ግዜ ስደቱ ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብዘን ኣብ ከባቢና ካብ ዘለዋ ሃገራት ዝዓበየ ዑቕባን ኣግእዞን ዝገበረት ሃገር ኢያ። ህዝቢ ኤርትራ ወላ’ኳ ሎሚ ኣዝዩ ደኺሙ እንተሎ፡ ርሑቕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ ግን፡ ዳግማይ ታሪኽ ከም ዝስራሕሲ ንሕና ኤርትራውያን ምንም ጥርጥር የብልናን።

ሕጂ ብሰንኪ ፍልስፍና ኣቶ ገብሩ፡ ንኤርትራን ትግራይን ከነናቑትን ከነባእስን፡ ወይ ንታሪኽ ክልቲኡ ሰውራታት ከነበላሹ፡ ወይ ድማ ከምዚ ብናጽነት ኤርትራ ዝተጣዕሶ፡ “ሉኣላዊነትና ዲሞክራሲ በኢትዮጵያ” ዝብል ሰክዔት ሰሪሕካ ንኤርትራን ህዝባን ናብኡ ንምእታው ዝተጀመረ ትልሚ፡ ኣይከውንን ኢዩ። ኣብዚ ዝምድና ህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ንምምላስ ዝገማገመሉ ዘሎ ትስፉው እዋን፡ በሰላ ኲናት’ኳ ክጎድእ እንተፈተነ፡ ክልቲኡ ህዝብታት ክንዮ መጽሓፍ ኣቶ ገብሩ ኢዩ ዝሓስብ።

ትማሊ ንዝነበረ ሕውነታዊ ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ኣይንጠዓሰሉን ኢና። ኣብ መንጎ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን፡ ናይ ጽልኢ መንደቕ በርሊን ክሰርሕ ዝከኣል ኣይኮነን። ብባህሊ፡ ቋንቋ፡ ታሪኽን ማሕበራዊ ዝምድናታትን ተዛሚዱ ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ፣ ዝምድንኡ ብዝኾነ ጎዞሞ ተሓርሒሩ ዝብተኽ ኣይኮነን።

እቲ ብሰንኪ ዓንዳሪ ውልቀ-ምልካዊ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝቢታት ተፈጢሩ ዘሎ በሰላ ድማ፡ ንምሕዋዩ ከይተሓለልና ክንሰርሕ ኢና። ሎሚ ብድሕሪ ደርዘናት ዓመታት ኩሉ ዝሓለፈ ታሪኽ ግጉይ ኢዩ ነይሩ፡ እቲ ስለ ናጽነት ዝፈሰሰ ደም ኤርትራውያን እውን ‘ደመ-ከልቢ’ ይኹን ዝብል ጽውጽዋይ ኢዩ ቀሪቡልና ዘሎ። ነዚ ሎሚ ዝቐርብ ዘሎ ቄናን ታሪኽ ጥራይ ስምዑ ምባል፡ ዓገብ ኢዩ!

ኣለና’ኮ እቶም ቀዳሞት ውፉያት ተጋደልቲ ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ስለ መሰል ውጹዕ ህዝቢ ትግራይ ንክቃለሱ ክጅምሩ እንከለዉ ምስኣቶም ዝነበርና። ኣለና’ኮ ኣብ ዘመነ ሰውራ ንዝነበረ ይዕበ ይንኣስ ምዕባለታት ብተመኩሮ ክንነግር እንኽእል ሰባት። ኣለዉ’ኮ ብዘይ ምዝንባዕ ታሪኽ ክነግሩ ዝኽእሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፣ ኣብቲ ወሳኒ ናይ ጥምጥም ቃልሲ ህዝብታት

ኤርትራን ትግራይን ኣንጻር መግዛእቲ ንዝነበረ ውዕሎ ክነግሩ ዝኽእሉ ሰባት፡ ገና ኣይተቐብሩን። ስለዚ ዓገብ ኣቶ ገብሩ!

ቢኒኮሎ ኣቶ ገብሩ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተነጻጸረ ይመስል። ትንታኔኡ ከኣ፡ ብንዕቀት ንህዝቢ ኤርትራ ጀሚሩ፡ ብብድዐ ኢዩ ዝደምደሞ። ጉዳይ ባሕሪን ኣፍደገታቱን፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር ጥራይ ኢዮም ዝውስንዎ። ክንዮ ጉዳይ ባሕሪ ክብጻሕ ዝድለ ዝምድና እንተሎ ከኣ፡ ብክልቲኡ ህዝብታት’ምበር ብመጽሓፍ ኣቶ ገብሩ ዝውሰን ኣይኮነን። ካብ ሕጋዊን ታሪኻዊን ሰነዳት ወጻኢ ንዝግበር ኣፈታትሓ፣ ንዝመጽእ ወለዶ ተባራዒ ፈንጂ ምትካል ጥራይ ኢዩ ክኸውን።

ስለዚ ንኣበሃህላ ኣቶ ገብሩ፡ ‘ዋልታ ኣይትርአ፡ ክንዮ ዋልታ ንዘሎ ርአ’ ብዝብል ምስላ ጥራይ ክሓልፎ መሪጸ። ናብ ዋና ጉዳይ ግርምቢጥ ታሪኽን ትንታነን ኣቶ ገብሩ ኣብ እንዕዘበሉ ግዜ፡ ኩሉ መደረታቱ ንሓድሕዱ ዝገራጮን ካብ ኣዝዩ ጸቢብን ብጽልኢ ዝኸሓነን ልቢ ይዝረብ ከም ዝነበረን ኣይሰሓትናዮን። ንኩሉ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ዝኸሓደ ኣቶ ገብሩ፡ ብካልእ ኣበሃህላ “… ኤርትራውያን ብዘይካ ምስ ኢትዮጵያ ሓቢርኩም ምንባር ካልእ ምርጫ የብልኩምን።” ኢሉና ኣሎ። ስለዚ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ናጽነቱን ሰብኣዊ ክብሩን ክብል ካብ 1961 ክሳብ 1991 ዝመረጾ መንገዲን ዝኸፈሎ ዋጋን፡ ግጉይ ከም ዝነበረ ኢዩ ዝነግረና ዘሎ።

ቅድሚ መደምደምታ መደረ ኣቶ ገብሩ ኣስራት ግን፡ እቲ ንነዊሕ ዘመናት ብፍቕሪ፡ ብታሪኽን ሕውነትን ተኸባቢሩ ዝነብር ዝነበረ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ብፈላስፋታት ላልማየ ላሎ ዝብተኽ ኣይኮነን። እቲ ክልቲኡ ህዝብታት ናይ ሓባር ጸላኢ ንምስዓር ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ብክቡር ደሙ ዝፈረሞ ዝምድና ከኣ፡ ብዘራጊቶ ትምክሕተኛታት ዝብተን ኣይኮነን። እቲ ኣብ ክልቲኡ ሓመድ፡ ኤርትራን ትግራይን ዝተቐብረ ኣዕጽምቲ ጀጋኑ ሰማእታት’ውን ረዚን ሕድሪ ተሰኪሙ ከም ዘሎ ንኣቶ ገብሩ ከዘኻኽሮ እደሊ።

እቲ ጽውጽዋይ መስደምም ኢዩ። ኣብ ቃለ ምልልሱ ምስ ራድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ኣቶ ገብሩ፣ “…ጣልያን ንኤርትራ ለቒቓ ምስ ወጸት፡ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ትምለስ” ዝብል ስምምዕ ከም ዝነበረ፡ ከምኡ’ውን ጣልያን ብ1935 ንኢትዮጵያ ስለዝወረረት እቲ ኣብ መንጎ ጣልያንን ንጉስ ምነሊክን ዝነበረ ናይ ዘይምውራር ስምምዕ ፍሩስ ኢዩ ይብል።

ከምዚ ዝኣመሰለ ዝንቡዕ ታሪኽ ዝመልአ ወረቐት፡ መጽሓፍ ክበሃል’ውን ኣይከኣልን ኢዩ። ‘ኣደይ ኢታይ ዝበልዕኦ ሕምቶ፡ ነቦይ ቀሺ ኣጉስዖም!።’ ብኣበሃህላ ገብሩ፣ ሙሶሊኒ ብዝጠሓሶ ሕጊ፡ ሎሚ ኤርትራ ከም ገንሸል መስዋእቲ ናብ ኢትዮጵያ ምምላሳ ሕጋዊ ኢዩ ይብል ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ብሂወቱ እንከሎ፡ ኣብ ዘመነ ግዝኣት ጣልያንን ብድሕሪኡ ዝሰዓበ መግዛእቲ ኢትዮጵያን ሎሚ ክትደፍኖ ምብጋስ፡ ሕልሚ እቶም ኣብ ቅርዓት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘይቅዱስ ሓዊ ክኣጉዱ ዝደልዩ ዘለዉ ቅንጅትን ተሓባበርቶምን ምትግባር ጥራይ ኢዩ።

ኣቶ ገብሩ ኣስራት፡ ካብ 1998 ክሳብ ውዕል ኣልጀርስን ዘ ሄግን ንዝነበረ ቀያዲን መሰረታዊን ስምምዓትን ፍጻሜታት እውን ብኣዝዩ ዝቐነነ ኣረኣእያ ገይሩ ኢዩ ገሊጽዎ ዘሎ። ነቲ ቅድሚ ትማሊ ዘይኮነስ፡ ትማሊ ዓለም ዝረኣየቶ ውዕል ኣልጀርስን ጉዳይ ዶብን’ውን ቅቡል ከም ዘይኮነ ተንቲኑ። ቀጺሉ’ውን ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ብወግዒ ይቕሬታ ዝሓተተሉን ኤርትራውያን ንብረቶም ተመሊሶም ንክወስዱ ንዝገበሮ ተበግሶ፡ ምስጓጉ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ፡ “…በቲ ዝተገብረ ምስጓግ ኤርትራውያን ትናሳሕ’ዶ” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ እቲ ውሳኔ ትኽክል ከም ዝነበረ ኢዩ ገሊጹ።

ብድሕሪ ሞት ኢሳይያስ የራኽበና!

ትዕዝብተይ ኣብ ሕብረተሰብ

ትዕዝብተይ ኣብ ሕብረተሰብ

ሰራየ ፡ ሓማስየን፡ ኣኩሎጉዛይ ሓደ ህዝቢ ሽሕ ልቢ

“ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ” እትብል ቴማ ቀጻሊ ኣብ ግዕዞ ሂወተ ምሳይ ኣላ። ደጋጊመ የስተንትና ። ካብ ሱራ ጀሚረ ክሳብ ጨናፍራ ክትንትና እፍትን እሞ ገለ ነገር እስእነላ። ነየናይ ህዝቢ ወይ ኣበየነይ መድረኽያ ተገልግል ሕርብት ይብለኒ። ሰባት ክደጋግምዋ ኣመናየ ዝዕዘብ- ፍረ መልሓሶም እምበር ፍረ ልቦም ዘይኮነት ቴማ ። ዜማን ግጥምን ተሰሪሑላውን ብዙሓት መንኮባት ህዝቢ እስክትሽም ኢለናላየን። “እዛ ቴማ ዝሕላገቶም ህዝቢ ድኣ!” እናበልካ እንክትሓስብ ዛራ ፍቕሪ ዘለዎ ህዝቢዩ ዝብል ኣምር ሓሳብ ጎፍ ይብለካ ።ኣብ መናድቕ ጎደናታትን ታቤላታትን ኩሉ እዋን ጎሊሓ እትርአ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ቴማታት ፡ግን ክኣ ኣብ ባይታ ዜሮ – ስላዊት ቴማ “ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ”።

እስከ ናብ ናይ ቀደም እዋን ምልስ ክብልየ ።እዚ ማለት ድማ ብቐትታ ናብዚ ዘለናዮ ሓሽካር እዋን ቅድሚ ምእታወይ ናብቶም ጥዑማት ሰብ ቀደም ፡ሰብ ሰራየ ሰብ ሓማስየን ሰብ ኣኩሎጉዛይ ገለ ብምባል ከዋግዕ። ርግጸኛየ እዚ መሰረት ዘይብሉ ጽልኢ እዘን 3 ኣውራጃታት ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘሎ ቀደም ኣይነበረን – ምናልባት ግን ንፈውሲ ማሕላ ኔሩ ክብል ምኽንያቱ ኣብ ሰባት ፍጹምነት ስለዘየለ። እምበር፡ ኣብ ዛንታ ሰራየ ምስ ሓማስየን ኩናት ገጢሞም ፡ ሓማስየን ምስ ኣጉሎጉዛይ ኣብ በረኻ እከለ ተታኺሶም፡ ኣኩሎጉዛይውን ከምኡ ምስ ሰራየ ይትረፍ ኩናት ሕልኮውን ትኹን ገጢሞም ኣይፈልጡን እዮም- ዛንታውን ዘሎ ኮይኑ ኣይስምዓንን። ብኣንጻሩ ግን “ ዘይ መገሺ ይኾነና” እናበሉ ነንሕድሕዶም ይዋሰቡ ኔሮም። ኣሽንካይዶ ምስ ደቂ ሩብኦምን ደቂ መሬቶምንሲ ሩባ መረብ ሰጊሮም ከማን ምስ ተጋሩ ኣሕዋቶም ይዋሰቡ ኔሮም – ሳላ ዝተዋሰቡ ድማ ኣነን ከምዚ ከማዪን ተፈጢርና ንርከብ። ኣብዞም ህዝቢ ድማ ንድሕሪት ምስ እንዝክር እንትርፎ ሰላምን ርግኣትን፡ ካልእ ሕማቕ ነገራት ወይ በሰላ ኣብ ህዝቢ ዝገደፈ ብዙሕ ኣይተዘንተወን ። ስለዚ እዚ ኣብዚ ሕጂ እዋን ጋዕገልጠም ዘሎ ናይዘን 3 ኣውራጃታት -ንኽትገልጾ ኣዝዩ ዘሕንኽ -ታሪኽ መሰረቱ “ካብ ናይ ቀደም ሰባት ኣይኮነን” ክብል ደፊረ ኣለኹ- ኣይፋልካን ዝብል እንተሎ ድማ ሃየ ብርዑ የንብዕ። እቲ መሰረት ጽልኢ እዘን ኣውራጃታት እንታዩ ዝብል ሕቶ ግን ናይ ነፍሲወከፍ ተወላድ እዘን ኣውራጃታት ዝኾነ ወልቀሰብ ጉጁም ኢሊ ክዛተየሉ እጽውዕ።

እሞኸ ድኣ ፡ ንምንታዩ ኣብዚ ሕጂ እዋን ጠገለ ኣልቦ ክይኑ ኣባጓይላ ዘይብሉ መርዓ መሲሉ ዘርከበ ዘሽኮንድረሉ ኮይኑ ዘሎ? ሰብ ውሽጢ ዓዲ እስከ ንግዜኡ ገለል ከብሎም ፡ ናብዞም ሰብ ወጻኢ ኣእዳወይ ከወጣውጥ። ኣብ ምዕቡል ዓለም ብምንባርካ፡” ካብ ሰቡ ይሓይሽ፡ እቲ ዓዲ ቀይርዎዩ” እናተባሃልካ ኣንታ ሰብ ደገ ርኹብ ዝዝባንካ፡ ስርሓካ ግን ገና ኣብ ሓሸውየ ኣውራጃውነት ኮለል ክትብል መሬት ትዓርበካ።ኣንታ ሰብ ደገ ሰብ ወጻኢ፡ ክዳንካ ጹሩይ ኣእምሮኻ ግን ብላሽ! ኣብ ደገ ኣክንዲ ኤርትራዊ ረኺብካ ገጽካን ልብኻን ትህብ ፡ ፈለማ ገጽካ ሂብካ ኣውራጃ ኣረጋጊጽካ ድማ ልብኻ ተስዕብ- እንተዘይኮነ ድማ ሕቖኻ ምሃብ። ጓል ኣውራጃኻ ወዲ ካልእ ኣውራጃ እንተተዋሲብዋሞ ክኣ እሮማይ ድቃስ የለን – መሬት እናተዘብጠ ይንበር።እስከ ኣብ ከከባቢና ንፈትሽ ሰብ ወጻኢ ፡ ክንደይ ፍቑራት ምስ ምዉቕ ፍቕሮም ተበታቲኖም ኣለዉ? ክንደይ ሰብ ሓዳር ኣብ ውላድን ካልእን በጺሖም ክነሶም ብሰንኪ ኣውራጃውነት ፋሕጭንግራሕ ኣቲዎም ኣሎ? እቲ ዝገርም ድማ መሰረት ጽልኢ እዚዩ ክበሃሎ ዘይክኣል ። እዞን ኣውራጃታት ግን ልዕሊ ሰበን ቤተክርስትያን ይኸዳ።ልዕሊ ሰበን ስም ኣምላኽ ይርቑሓ። ኣምላኽ ዝጉዝጋዞም ድኣ እንተይ ስለዝተረኽበዩ ማዕረ ክንድዚ ተጨኻኺኖም- ሕለፍያ ዝበሃሉ። እቲ ወዲ ሰራየ ንጓል ኣኩሎጉዛይ ዝየፍቅር እንተኾይኑ፡ጓል ሓማስየን ምስ ወዲ ኣኩሎጉዛይ ዘይትዋሰብ እንተኾይና፡ ኣበይ ኣሎ ድኣ እቲ “ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ” እናተብሃለ ዓንገረር ዝበሃለሉ? ጨጨጓሩ ንውሽጡ ዝበሃሎ እንተልዩ ድማ ይተሓበረናሞ፡ ለመጽመጽ ኢልና ክንነብር።እዚ ነገር ኣውራጃነት ቀርኒ ኣውጺኡ ከም ዝራብዕ ዓዲ ፉፍ እነበለናዶሞ ከም ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጪዋ ኣስቅጥ ከነብል ኮይና- ኣይክኣልክዎን ኣነሲ ኣሕዋት/ኣሓት።

እቲ ማሕበር ኣኩሎጉዛይ፡ ማሕበር ሰራየ፡ ማሕበር ሓማስየን ብምባል ዙርያን ባድላን መሊስካ ሸነን እናበልካ እትኾዶ ማሕበር ኣውራጃነትኮ ኣይተጸልአን። ብወገነይ እዚ ከም መግለጺ ፍቕሪ ስለዝሪኦ ሰናይ ነገር ኮይኑ ይስምዓኒ። ሰባት ብምፍቃሮም እሞ እንታዋይ ሰብዩ ሕማቕ ክስምዖ እንትርፎ ሰይጣን። እቲ ሰንካምነቱ ግን ኩስቶ ወዲ እከለ ኣውራጃ እንድዩ ተመርዕይዋ፡ እንዳ እከለ ኣውራጃኮ ከምዚዮም ዝብሉና፡ እንዳ እከለ ኣውራጃኮ ከምዚዮም እናበልካ ኣብ ልቢ ንጹሃት ሰባት ዘየድሊ ጽልኢ እጥረ ስለዘሎዩ። ብድሕሪዚ ረሰንሰን ኢልካ ኣእምሮኻ ተደፊንካ ልክዕ ከም መኻሪ ፡ “ እዚ ኣፍቂርኪዮ ዘለኺኮ ወዲዚ ኣውራጃዩ መስ ዘይጽመድ ኢኺ ተጻሚድኪ ዘለኺ”፡ “ ኣንታ ጓልዞም እንዳ እከለ ኣውራጃ እንታይ ርኢኻላ ኢኻበልስከ ሓዳር ዝገበርካላ?” እናተብሃለ መሳኪን ሰላማውያን ሰብ ፍቕሪ ወይ ሰብ ሓዳር ሂወቶም ሃዶሽዶሽ ትብል ።እንተዘይበለት ድማ ሂወታ ናብራ ኣብ ጥቓ ጭዓ ዝቦቖለት ቆልቋል ኮይኑ ይቕጽል – ቃንዛ ዝበዝሖ ሂወት። እዚ እናረኣኹየ ድማ ሓደ ህዝቢ ሽሕ ልቢ ብምባል ገሊጸ ናብቲ ናይ ብሓቂ ትርጉም ቴማ ሓደ ህዝቢ ሕደ ልቢ ገጽና ኣንፈት ክንኸይድ ሓቢርና ንመርሽ ዝብል ዘለኹ።

ሰብ ወጻኢ፡መሬት ዓዲ ኣቦኹም ገዲፍኩም፡ ከይድኩም ስግር ባሕሪ ሰፊርኩም። መሳኪን ህዝቢ ኣሜሪካ ፡ካናዳ፡ ኤውሮጳ ፡ ኤስያ ኣዕቒቦምኹም ክነስኹም ፡ናበይ ብዘየሎ ሰረት ጽልኢ ኣልቦ ኣውራጃነት ትዋጠቱ? እቲ መሬት ሰራየ ፡ሓማስየን፡ ኣኩሎጉዛይኮ ነበርቲ ኣለዉዎ።ብሰላም ድማ እነብርሉ ኣለዉ- ካልእሲ ይትረፍ ተጸዋዊሮም ከማን ኣለዉ።እሞኸ ድኣ፡ እንታይ ኣምጽኦ ክሳብ ክንድዚ ምዝንባዕ ኣእምሮ ?! ንስኹም ሰብ ደገ ግን ስኣን ሓደ ደቒቅ ምስ ነብሱኹም እትመኸሩ እነሀኹም እንዕዘበኩም ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ ጽለኢ ተሳውሩ። ኣብ ዓዲ ሰላም ፡መሰል፡ ፍትሒ፡ሕጊ እናነበርኩም ባዓልኹም ንባዓልኹም ሰላምኩም ትዘርጉ ኣለኹም። እኽለ ማይ ዘይሰኣንኩም ነዛ ነብስኹም ፡ ጽለኢ ሓውኩም ግን ይገናፍለኩም ። ዘይጸንሓና ፡ ዘይነበረ ጽልኢ – እሞ ድማ ኣብ ጥራሕ ጎልጎል! ፈጣሪ ልቦና ይሃብዩ ዘብል ።

ኣነ ዝብሎ፡ ኣነ ዝሓስቦ ግን ኣሎ። መሰረት ጽልኢ ዘን ኣውራጃታት ኮይኑ ዝርኣየኒ በጀካ እዚ ዘሎ ስርዓት እምበር ካልእ ዋላሓደ ክብል ወይ ክጠቅስ ኣይክእልንየ። ቀንዲ ጽልኢ እዘን ኣውራጃታት ድማ ኣብ ዙርያ ፖለቲካዩ ዘሎ- ንዓይ ዝርኣየኒዩ። ንስለፖለቲካዊ መኽሰብ ዝግበር ሃልኪ ካብ ሜዳ ኣትሒዝካ ክሳብዚ ዘለናዮ እዋንዩ እዚ ኹሉ ምቅይያማት እዘን ኣውራጃታት ኣኸቲሉ ዘሎ። እቲ ዘሎ ስርዓት ክነብር ስለዝደሊ ወይ ውን ምጥቛስ ኣውራጃታት ከም ቀንዲ መኽሰባት ፖለቲካ ስለዝትሓሰበ እሰርሓሉ ኣሎ ገናውን ክቕጽልዩ ክሳብ ዘሎ። ዝገርመኒ ግን ካብዚ ምምሕዳራ መንግስቲ ሚልዮናት ኪሎሜተር ርሒቖም ክነሶም ብበለካ ለኽዓኽ ሰብዘን ኣውራጃታት ነንሕድሕዶም ክፍሓናጨሩ እንከለዉዩ። መንሞ ተጎድአ ዘይዚ ህዝቢ ኣውራጃታት ተጎድአ ። እምበር ሰብ ስልጣንሲ ፍሑኽ ኣይበሉን ካብታ ቕድሚ 23 ዓመታት ኮፍ ዝበልዋ ወንበር። እታ ሃገርና እንብላ ድማ እብዚ ደረጃ በጺሓ ትርከብ። እንተስ ዕድል እንተስ መርገም፡ ዝበታትን እምበር ዝሓቁፍ መንግስቲ ኣይረኸብናን ኣለና።እዚ ድማ ሕምቀት ደቂ ህዝቢዩ። ርጉም ህዝቢ ርጉም መራሒ እረክብ ከይከውን ድማ ሃየ ኣንቱም ሕማም ኣውራጃውነት ዘለኩም ዘላቒ ኣተሓሳስባ ግበሩ።

ስለዚ፡ ብኣባይታ ዘየሎ መዝሙር እናዘመርካ፡ዘየለ ባንዴራ ቅርሕንቲ እናንበልበልካ፡ ውሽጥኻ ከይነጽሃካ ንስለ እናበልካ ዝግበር ቴማ ካብ ዘየድሊ ምቅርሕሓን ምምጻእ ሓሊፉ ዘምጽኦ ዝጭበጥ ዓወት የሎን።ቁስልኻ እናሸፈንካ እንነብሮ ኣነባብራ ኔዮ ንበሎ። ሃገር ንነፍሲወከፍ ዜጋ ምዕረ ክሳብ እትብጽሖ ፡ ዝኾነት ኣውራጃ ወይ ውልቀሰብ ጸብለል ኢሉ ዝርኣየሉ መዳይ ክህሉ ኣይዋሓጠለይንዩ- ግቡእ ድማ ኣይኮነን። ብሃገር እንሓስብ እንተድኣ ኮይና ፡ ንስለ ሃገር ንንበር ። ዘሎ ገዛኢ ስርዓት ሎሚ ኣሎ ፡ ጽባሕ ከምዘየለ ግን ታሪኽ ዓለም ዘስተምህረናዩ። እንተ እቲ ህዝቢ ግን ዘሎን ዝቕጽልንዩሞ ዘየድሊ ባእሲ፡ ቶንኮል፡ ጽልኢን ሓርጎጽጎጽን ናብ ደቂደቅና ከምዝመሓላለፍ እንተዘይገበርና ጽቡቕን እዋናውን ኮይኑ እስማዓኒ ። እዚ ምስ ዝኸውን ድማ ብዘይጥርጥር እታ “ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ” እትብል ቴማ ኣብ ዝግብኣ ቦታን መድረኽን ኣትያ ዛራ ፍቕርን ሓጎስን ከተመንጩ። ቅድሚ ምዝዛመይ ግን ገባሪ ጽቡቕ ኩሉ ጊዜ ዓስቡ ካብ ሰማይ ክረክብ ስለዝግምት እምበር ፡ ደቂዘን ኣውራጃታት ደለይቲ ሰላም ፡ ደለይቲ እፎይታ የለውን ማለተይ ኣይኮንኩን – ብርግጽ ድማ ኣለዉ ዋላ እንተዘይሓንጠጥክሎም። ፈጣሪ/ረቢ ልቦና ይሃበና፡ ሃገርና ድማ ይባርኽ።

##### እቶም ምስሎም እናሓብኡ ቁስሊ’ዘን እውራጃታት ዝኾኑ ውልቀሰባት ካብቲ ፖስት ዝገብርዎ እከይ ነገራት ክቁጠቡ ዓገብ! ዓገብ! ዓገብ ! ንበል ።#####

ቲዕቲዕ(ታይላንድ)