ኣብ ኣስመራ ንለውጢ ዝጽውዑ ደርፍታት ብዓውታ ተሰሚዖም


ኣብ ኣስመራ ንለውጢ ዝጽውዑ ደርፍታት ብዓውታ ተሰሚዖም


ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኖም ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምንጋስ ዝቃለሱ ዘለው ኤርትራውያን ነቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ካልኣይ ዓመቱ ዘቑጸረ ስርሒት ፎርቶ ብኽብሪ ከም ዝዘከርዎ ኣባልት ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተኻየደ ናይ ዝኽሪ ስነ-ስርዓት፡ “ቪቫ ፎርቶ 2013” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻየደ ምዃኑ’ውን ዝበጽሓና ዜና ይገልጽ። እቲ ዝኽሪ ካብ ኣብ ደገ እንርከብ ኣባላ ዓርቢ ሓርተት ዝረኸብዎም ደርፍታት ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ቴፕ ብምእታው ኣብ ብዝሒ ሰብ ዝርከቦ ቦታ ብዓውታ ብምውላዕ ሞራል ሰማዕቲ ክብ ከም ዘበሉ ሓቢሮም። ነዚ ንምግባር እታ ቴፕ ኣብ ናይ ህዝባዊ መደወሊ ቴሌፎን ብኮላ ኣላጊቦም ኣብ ልዕሊኣ ድማ ”ካልኣይ ዓመት ዝኽሪ ስዓድ ዓሊ ሕጃይ (ወዲ ዓሊ)፡ ዓርቢ ሓርነት፡ ቪቫ ፎርቶ 2013” ዝተጻሕፎ ካርቶን ለጊባ ከም ዝተገድፈት ሓቢሮም።

እዚ ናይ ዝኽሪ ስርሒት ቀዳም 24 ጥሪ 2015 ካብ ሰዓት 10፡30-11፡45 ቅ.ቀ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ኣብ ከባቢ ዕዳጋ ሓራጅ ከም ዝተፈጸመን፡ እቲ ብረዚን መልእኽቲ እቶም ዝተደርፉ ደርፍታትን ተባዕ ስጉምቲ ናይቶም ነዚ ዘካየዱ ኣባላት ዓርቢ ሓርነትን ዝተደነቐ ሰማዒ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ፡ እቲ ዝተኻየደ ናይ ዝኽሪ ስርሒት ነቲ ዝድለ ዘሎ ለውጢ ግብራዊ ኣብ ምግባር ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ምዃኑ ይዛረብ ኣሎ። ብፍጻሜ ናይዚ ጉዳይ ዝሰንበዱ ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ከኣ ኣብ ቦታ ፍጻሜ ተረኺቦም ነታ ቴፕ ከም ዝወሰድዎ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ። እቶም ዝተደርፉ ዝተፈላለዩ ደርፍታት ነዚ ህዝቢ ኤርትራ ዳግማይ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ሓርነት ቃልሲ ዝገልጹን ህዝቢ ሓቢሩ ኣንጻር ምልኪ ንኽቃለስ ዝጽውዑን እዋናዊ ደርፍታት እዮም ነይሮም። እዘን ዝስዕባ ማለት “ሸጥ መዓንጣና” ናይ ወዲ ትካቦ፡ ”ማማ ትሓመናላ” ናይ ምሕረተኣብ፡ ”ኣይት ዓንቅፉኒ” ኣልማዝ ኣረጋይ (ለሚን)፡ ”ትም” መምህር ሑሰን መሕመድ ዓሊ፡ ”ደቀይ ደቀይ በሊ” ሃኒ ምሕረተኣብ ገለ ካብተን እተደርፋ ደፍታት እየን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ወጻኢ ውን ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብሓገዝ ናይ ተክኖሎጂ ብፓልቶክ ተሰንዩ ዝኽሪ መበል ካልኣይ ዓመት ከም ዝተኻየደ ንሕብር። ክብርቲ ጋሻ ናይቲ መደብ ኮይና ዘምሰየት ብዓልቲ ቤት ሓርበኛ ስውእ ኮ/ ስዒድ ዓሊ ሕጃይ ውይዘሮ በኪታ እድረስ ዑመር ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺባ ናይ ምስጋናን መተባብዕን ምልእኽቲ ኣመሓላሊፋ፡፡ ብዘይካ እዚ ሓደ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ውን ንመጀመርያ ግዜ ብቐጥታ ብቴለፎን ብምድዋል ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝካይድ ዘሎ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ዝምልከትን ሓበሬታን ናይ መተባብዒ መልእኽትን ኣስሚዑ። ሕመረት ናይቲ ንታህዲድን ፈኸራን ስርዓት ህግደፍ በዲሁ ካብ ውሽጢ ኣስመራ ዝተፈነወ መልእኽቲ ከኣ ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ሓቢሮም ክሰርሑን ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ ምንቕስቓስ ክድግፍዎን ዘዛኻኸረ እዩ ነይሩ። ቕዳሕ ናይቲ ዝክሪ ንምስማዕ አብዚ ጠውቁ፡ https://www.youtube.com/watch?x-yt-ts=1421914688&x-yt-cl=84503534&v=QHdrOV650HY&list=UUNkqhfPUpW4HS7Bvqu2NNOg

እቲ ኣብ ወጻኢ ዝተኻየደ ናይ ዝኽሪ ስነ ስርዓት ብ ምትሕብባር ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነትን፡ መእዲ ዘተ ፓልቶክ ስመርን ካልኦት ግዱሳት ዜጋታትን ዝተወደበ እዩ ነይሩ።


24 ጥሪ 2015
ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት
ሓበሪታ፡ እዛ ስእሊ ተጠቂምናላ ዘለና ምድላዋት እንዳተገበረ ዝተሳእለት እያ።

ኣውራጃ!!!!!ኣውራጃ!!!!!ኣውራጃ!!!!! ወገን!!!!ወገን!!!!ወገን!!!!!! “ካብ ጉይይ ምዓል፡ክሳድ ምሓዝ” ኣባህላ ቐዳሞት።

ኣውራጃ!!!!!ኣውራጃ!!!!!ኣውራጃ!!!!!
ወገን!!!!ወገን!!!!ወገን!!!!!!

“ካብ ጉይይ ምዓል፡ክሳድ ምሓዝ” ኣባህላ ቐዳሞት።

ኤርትራ መጸውዒ ናይ መርየት ድኣምበር፡ ዓልየት ወይ ብሔር ኣይኮነን።እዛ ሕጂ “ኤርትራ” ተባሂላ እትጽዋዕ ዘላ ሃገር፡ ዕድሜኣ ሓደሚእትን ዕስራን እዩ ዕድሚኣ (1891) ይጅምር።ሃገር ብ ኣውራጃታት ይቐውም፡ ኣውራጃ ብወረዳታት ይቐዉም፡ ወረዳ ብእንዳታት ይቐውም፡ እንዳ ብዓድታት ትቐውም፡ ዓዲ ብስድራ ቤታት ትቐውም፡ ስድራ ብሰባይን ሰበይትን ትቀውም። እዚ ባህርያዊ ሕጊ ደቅ ሰብ እዩ። ኣቤርትራ መን እዩ ኣውርጃ ዘፍርሖ? ኣብ ኣውርጃ ህዝቢ ኣሎ። ኤርትራ ብዙሕ፡ ዓለታት፡ ሃይማኖታት፡ ቛንቛታት፡ ብሄራት ዘልዋ ሃገር እያ። ከም ቕጫ ሰንኪትካ ኣብ ምቑሎ ዝተሰንከ ኣይኮነን። ወዲ ሰብ ምስ ዝኣምኖን፡ ምስ ዝፈልጦን ርክባት ይገብር። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ከም ዓለሙ እዩ። ሓለፋ የብሉ ጎደሎ የብሉ።

እዚ ህዝብ እዚ ንልዕሊ ሸሞንተ ሽሕ ዓመት ዝነበረ ህዝቢ፡ ሕጂ ኣብ ጎላጉል ሳሕል ከምዝተፈጥረ ግርካ ክቑጸርዶ! ኣለዎ እዩ? ሓቢርና ንተዓዘብ።

ናይ መጀመርያ በደልቲ። ዘበናዊ ትምህርቲ ዝተማህሩ ኤርትራውያን እዮም ዘብል ነጥብታት ኣሎ። ንሳቶም፡ ንባህሎምን፡ ንልምድን፡ ንእምነቶምን፡ንሃይማኖቶምን፡ ንመሰረታዊ ሕጊ ዓደቦን፡ ንቛንቖኦምን፡ ንኣነባብራ ህዝቦምን፡ ንብዙሕ ዘበናት ንወለድና ዘነባብሮም ዝነበረ መሰረታዊ ልምድን፡ ሕግን ኣብ ክንዲ ብግቡእ ፡ ወይስ ጥቡቕ መጽናዕቲ ገይሮም ብመንነቶም ዝሕበኑን ዝኾርዑን፡ ናይ ወጻኢ ባህልን ልምድን ተለቃሕቲ፡ ንናይ ወልዶም ኣነባብራን ኣከዳድናን መናኣስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ቤተ ሰቦም ንዓቕቲ፡ ከም ስልጣነ ገይሮም ስለ ዝወስድዎ ዘንባዕ መሰረት ሓደጉ። ምልክቱ ወይ መፈላላዪ ባህሪ ወይ ትዕዝብቲ ኣብ ከተመኛን ወዲ ዓዲን ፍልልይ ተፈጥረ።

እዚ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን ጀሚሩ፡ ኣብ ምምሕዳር እንግሊዝ ሰዓበ፡ ኣብ ግዜ ፈደረሽን ሳዕረረ። ኣብ ግዜ ሃጸይ ሃይለ ስላሴ ካብ ሳዕሪ ናብ ገርብ ተቐየረ።

ኣቶ ዮሴፍ ገብረሂወት ኣብቲ ዘይሕለል ጽሑፉ ከም ዝደጋገሞ “ ምሁራት ከበሳ ወይስ ተዛረብቲ ትግሪኛ ወይስ ኣመንቲ ክርስትና፡ መሰረቶም ለቒቖም፡ ሓበሻነቶም ከምዘሕፍር ቖጺሮም ኤርትራዊነት ኣማዕበሉ ህዝቦም ኣደንቆሩ፡ ምሁራት ደቂ ቖላ ወይስ ኣመንቲ እስልምና ሓበሻነቶምን መሰረት እስልምና ምኻኖም ረሲዖም ዓረብነት መረጹ” ከም ዝበሎ፡ መሰረት ቅልውላው መንነት ኣብዚ ጀመረ ክባሃል ይከኣል።
ካብ 1951 ዓመት ምህረት ሃገርና ኣምበጣ ምስበልዖ፡ ሓርስታይ ወዲ ዓዲ ካብ ዓዱ ክስደድን፡ጀመረ። መግዛእቲ ኢትዮጵያ ስራሕን ሸቕልን ኣልቦነት ስለ ዘየጥፍኤ፡ ኣብ ከተማ ዝነብር ብቑጠባ ጸብለትነት ኣብ ልዕሊ ወደባት ስለ ዘሕደረ፡ወዲ ዓዲ ባህሉን እምነቱን ሕጊ ዓደቦን ክድፈር እንከሎ ድኽነት ጸቐጦ።

ሃገርዊ ምንቅስቃስ ኤርትራ፡ ባህልን ሕግን ዓደቦ ዝመልስ፡ ክብሪ ህዝቡ ዝመልስ ካብ ድንቁርናን ድኽነትን ዘናግፍ መሲሉ ዝጀመረ ቓልሲ፡ ኣዕናውን ኣጽናትን ኮይኑ ክርከብ ኣይምተገብኦን፡ እንተኾነ ህዝቡ ኣብ ቅልውላው መንነት ኣትዩ ከምዝነብርን፡ ንሽግር ሃገሩ መፍትሒ ከምዘይረክብን፡ ኣብ ጥርጣረን ፍርሕን፡ ኣብ ቅልውላውን ኣብ ሃተውተውን ክነብር ይግደድ ኣሎ።
ባህሪ፡ ከም መምሃሪ እንተ ወሲድና፡

ቀዳማይ፡
ስድራ ቤት እዩ ዝስራዕ። ቀጺሉ ድሕሪ ቤተሰብ ዝስራራዕ ድማ ዓዲ ማቓም ይኸውን። ወዲ ዓዲ ኣብ መርየቱን፡ ንብረቱን፡ ኣብ ኣከባቢኡን፡ ኣብ እምነቱን፡ ሕግን ስርዓትን መነባበሪኡ ዝኾኖ ምስ ደቂ ዓዱ፡ ሕግታት ተሰማሚዑ ሕጊ ዓዲ የቑዉም።

ካልኣይ፡ ዓድታት ምስ ጎረባብቶም ምቅርራብን፡ ምርድዳእን ኣብ ዝገበርሉ እዋን ናይ ሓባር “እንዳ” ይፈጥሩ። እንዳታት ተኣኻኺበን ድማ “ወረዳ” ይፈጥራ። ወርዳታት ተኣኻኺበን ድም “ኣውራጃ” ይኾና። ኣውራጃታት ተኣኪበን ድማ “ሃገር” የቑማ። ኤርትራ ብሸሞንተ ኣውርጃ ብመንግስቲ ጣልያን ቖመት።

ተጋደልቲ ኣብ ኤርትራ ትሻዓት ብሄራት ወሰኑ። ዝተረፋ ብሄራት ከይተቖጽራ ዝተርፋ ኣለዋ፡ ንሳተን ድማ፡ ኤልትን፡ ጀበርትን፡ ኢሮብን ፡ ኣብ ዝውስኻ ግዜ ዓሰርተ ክልተ ክኾና እየን።

ህዝቢ ኤርትራ ዶቡ ብሕጊ ዓደቦ እዩ ተወሲኑ ጸኒሑ። ሕጊ ዓደቦ ምስ ተደፍረ ገዛእቲ ኤርትራ! ናይ ሕጂ ውን ከም ገዛእቲ ዘቑጽር ጠባያት ስለ ዘለዎም፡ ካብ እቲ ባዕዳዊ ገዛኢ ዝሓሰመን ዝጨከነን ኣረመናዊ ተግባራት ዜጋ ክገብሮ ዘይትጽበዮ ምምሕዳርን፡ ሕጊ ኣልቦነት ኣሰራርዓ ሸፋቱ፡ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ዝቐደሙ፡ ገዛእቲ ይሕሹሉ ዘብል ዘበን ኣብ ዝተበጽሔ እዋን ከም ዘሎ ክርሳዕ የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ከም ስጋ ተተጎዝዩ፡ ክሽየጥ ኣብ ዓለም ዕዳጋ ኣብ ዝርከበሉ፡ “ኣሽንኳይዶ! ብስም ዓዲ፡ ወረዳ፡ ኣውራጃስ! ምስ ሰይጣይ ዘቀራርብ ግዜ ተበጺሑ” ከምዘሎ ንኹሉ ኤርትራዊ ብፍላይ፡ ንዓለም ድማ ብሓበራ ክበሃል ይከኣል።

ኣውራጃ ዓልየት ወይ መንነት ህዝቢ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ኣውራጃ ናይ መርየት ስም እዩ።ኣብ እውራጃታት ኤርትራ ልዕሊ ክልተ ወይ ሰለስተ ብሄር ከምዘሎ ድማ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ምእንቲ መሰሉን፡ ምእንቲ ንብረቱን፡ ምእንቲ ክብሩ፡ ብዝኾነ መለክዒ ክቃለስ መሰሉ እዩ። ህዝቢ ኣውራጃታት ኤርትራ ኣብ ዘዘለዎ ኮይኑ፡ መሰሉን መሰል ብሄሩን ከኽብር፡ እንተ ተላዒሉ፡ ክምጎስን ክድገፍን ድኣ ነበሮ! እምበር ዘኾንን ተግባር ኣይኮነን።

ክሳብ ሕጂ ብኣውራጃ ዝተጠርነፈ ኣይተራእየን ዘሎ፡ ከምዚ እንኸዶ ዘለና ናይ ህዝቢ ጸነተ ግና! ብኣውራጃ ተጠርኒፉ እንተድኣ ኣብ ዓወት ዘብጽሕ ኮይኑ! ክድገፍ ኣለዎ። ኣብ ልዕሊ ካልእ ብሄራት ገበንን፡ ዓመጽን፡ መሰል ግህሰትን ክሳብ ዘይተገብረ፡ ተኸባቢርካ ምንባር ቅቡል እዩ።

ካብ 1971 ጀሚሩ ብደሳዊ ደምበ ተማራመርቲ ኢና ብሃልቲ መናእሰይ ኤርትራ! ንህዝቢ ኤርትራ ናይ መጻኢ ዕድል ወሰንቲ ኮይኖም ተረኽቡ።
ቀዳማይ መሰረታዊ መቃለሲ ገይሮም ዝወሰድዎ ድማ! ሕጊ ዓደቦ ምፍራስን! እምነተ ኣልቦነትን፡ መርየት ንቕለትን ነበረ።

ህዝቢ ዓዲ የብሉን ኢሎምውን ሓገጉ። ዝሓገግዎ ኣብ ግብሪ ንኸውዕሉ ዝተፈላለየ ሜላታት ተጠቕሙ፡ ሓደ ካብ ሜላታት ንኸይንፋላለ ኢልና ኢና፡ ሓደ ህዝቢ ኢና ዝብል መሰረት ተዘርግሔ። እዚ ካብ ባህሪ ሕጊ ዝወጸ እዩ። ሰብ ኣብ ዓዱ ዘፍርሕ የብሉን፡ ቀዳሞት ክምስሉ “ዓድኻ ፍርሕን ትኽልክለልካ፡ ሞት ነይትኽልክለልካ” ። ዓዲ ዜግነት እዩ፡ ዓዲ ዋንነት እዩ። ዓዲ መኹርዒን ሓበንን እዩ። ዓዲ መንነት ህዝቢ እዩ።
ኣበይ ዓድኻ? ኢሉ ምስ ዝሕተት ሓደ ዜጋ? ኤርትራዊ ኢሉ ክጽዋዕ ከምዘለዎ ተነግሮ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሳዋ ይቕጽል ኣሎ።
ኤርትራ ዝብል ስም ንዓዲ ተክኦ፡ ኤርትራ ዓደይ ኮነ መጸውዒ። እረ እቲ ቀንዲ ዓድኻ? ኢሉ ንዝሓትት ከም ገበን ተቖጺሩ ብሞት ዘቕጽዕ ገበን ኮነ።ብሓለዋ ሰውራ ከም ገረብ ተጠጠፈ፡ ተገርፈ፡ ተቐንጸለን፡ ሞተን፡ ዘይሞተ ድማ ለሚሱ ይርከብ።

ኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ተፈላልዩ ኣይፈልጥን፡ ክፈላለውን ሃቂኑ ኣይፈልጥን፡ እንተኾነ ግዳ “ ጭጉራፍ ወቕዓ ተኤዊ” ከም ዝበሃል ሕዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ነጻ ኮይኑ ክካታዕን፡ ክመሃሃርን፡ ክተሓጋጋዝን ከምዘይ ክእል ገበሮ። ህዝቢ ንዝነበሮ ባህልን ስርዓቱን መሰረት ገይሩ ንኸይምዕብል ከሔንኩሎ ነበረን ይርከብን ኣሎን።

“ ማህበር ኤርትራውያን ኢልና ኮሚኒቲ ነቑም” ኢሉ ንዝሕልን ዜጋ ካብ 1980 ክሳብ ሕጂ ነጻ ዝኾነ ማሕበራት ንኸይቀውም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ህዝብና ከይተጠርነፈ ይነብር ኣሎ። በዚ ዝተላዕለ ህዝብና መነባብሮኡ ከይማዕበለ ንድሕሪት እናተጎተ ከምዝነብረ ዘሎ ንኹሉ ዜጋ ብሩህ እዩ።ማሕበር ነቑም ንዝብሉ ዜጋታት፡ ናይ ጸለም ኣስማት እናሃበ ኮሚኒቲ ንዝብሉ ስም ኣስማት እና ኣጥፍኤ! ንገለን ሰለይቲ እናበለ ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ከይረኽቡ ከይደቀሰ ዝሓድር ስርዓት ደቂ ኣስመራ ሓቂ እዩ።

ህግደፍ ብሰለይቱን፡ ብባዶ 03 ዜና ዝርጋሔን፡ ንግዱሳትን ሓለይቲ ህዝብን፡ ንመጻኢ እንታይ ከጋጥም ዝኽእል? ኣብ ጋሻ ሕብረተሰብ፡ ኣብ ነዊሕ ስደት ንኽነብር ንኸይቅረብ፡ ንሓሰብትን ንሓለይትን ከም ሰለይቲ፡ ሲኣዬ ወይ ናይ ኢትዮጵያ ሰለይቲ ኢሉ ወይ ትሕቲ ሃገራውነት ኢሉ እናኣጸለመ፡ ኣብ መንጎ ስደተኛታት ኤርትራ ዘይምትእምማንን፡ ምጥርጣርን፡ እና ኣሕደረ ተፈላልዩ ከምዝነብር ገበሮ። ክስብ ሕጂ ህዝቢ ሓቢሩ ንኸይዝቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ስውራት ሰለይቲ እናለኣኸ፡ ሕብሪ ተቓወምቲ መልክዑ ከምዝቕይርን ተገይሩ ይርከብ። ብስም ተቃወምቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ሓለይቲ መሲሎም፡ ህዝቢ ከናቑቱን፡ ከቖናጽቡን፡ ዝዉዕሉ ዉሕዳት ኣይኮኑን። ካብቲ ስዉር ቃልታት ዝጥቀምሉ፡ “ተቓወቲ ዘይጥርነፉ” “መን እሞ ኣሎ ሃገር ክመርሕ ዝኸእል” “ኣብ ስደት ኮንካ ዝግበር የለን” “ እዚኦም ብወያነ ዝዕንገሉ” “ እንታይ ገደሰካ እታ ባንደራ ኣብ ገዛኹም ድያ ክትከል” “ እዚኦም ዓዲ እንተ ሒዞማ ሓገር ሸይጦም ክበልዕዋ እዮም” “ ኣበይ ነይሮም እዮም” “ንምኻኑ ንስኻ እንታይ ገበርካ” እዚ ቃላታት ካብ “ህግደፍ” መዝገበ ቃላት እዩ። ሰኦኣብትን ተደናግጽትን ይጥቀምሉ።

ኤርትራውያን መራኸቢ ቦታ፡ ወይ መካትዒ ቦታ ስለዘይብሎም፡ ቤት ጾሎት ከይተረፈ መዋግኢ ኤርትራውያን ኣብ ስደት ኮይኑ ኣሎ እዚ ብጭብጢ ዝረጋገጽ፡ ሓቂ እዩ።። “ሰብ ናብ ሰቡ፡ ዝብእን ናብ ገረቡ” ከም ዝባሃል፡ ኣብ ስደት ኮነ ኣብ ሃገሩ ህዝቢ ነናብ ዝፈልጦን፡ ነናብ ዝቐርቦን እዩ ዝቐርብ።እስከ ሓደ ሰብ ይንገረና ካብ ስደት ኣብ መዓርፎ ነፋሪት ኣስመራ ምስ ወረደ ወይስ ምስ ወረደት ነጋይሽ ዝኸውን ማይ ቀሪብናልኩም ኣለናሞ ማይ ስተዩ ዝተባህለ ኣሎዶ ብመራሕቲ ህግደፍ? ህዝቢ ጉድና ፈለጠና ክዝቲ ጀመረ እሞ እግሪ ከይተኸለ እንከሎ ብህጻኑ ንመንክሎ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ጨቖንትን ገዛእትን ዝኾኑ መራሕቲ ዝጥቀምሉ ኣገባብ እዩ።

ወዲ ሰብ ንዕኡ ዝመስሎ ርእዩ እዩ ዝቀራረብ፡ እዚ ድማ ባህርያዊ እዩ። እዚ ኣውራጃዊ ወገናዊ ዘብል ግን ኣይኮነን።

ሕቶ ንኹሉ ዜጋ፡ ኣውራጃ ኣብ ኤርትራ ንምንታይ ከም ገበን ተቖጽረ?
ኣብ ታሪኽ ዝተመዝገበ፡ ወይ ብኣፍ ዛንታ ዝንገር ኣውርጃታት ኤርትራ ተዋሪሮም ዝብል ጽሑፍ የልቦን፡ ብኣፍውን ኣይተነግረን። መበቆል ህዝቢ ኤርትራ መሰረቱ ሓደ ምኻኑ ወለድናና ተረኽትን ይነግሩና።

ኤርትራ ወገን ስለዝኾነ ምስ ኦሮሞ ክንሓብር ኣይበልናን፡ ህዝቢ ትግራይ መሰረቱ ምሳና ምኻኑ እንፈለጥና ምስ ትግራይ ክንሓብር ኣይበልናን። ኣብ ሱዳን ወይ ኣብ ሱዑዲ ኣስላም ኢናሞ ክንሕወሰኩም ኣይበልናን።

እንታይ ዳኣ መነንትና ዘሕፍረና?
ኣውራጃታት ኤርትራ ተበዲለን ካብ ኮና! ሽግረን ክፈትሓ እንተተኣከባ ገበን ድዩ? ሓደ ሓደ ፈላጣት ኢና ዝብሉ ዉድባት ክመጻደቑ ይረኣዩ። ንብሕጂውን ሽግር ህዝቢ ዝዝረበሉ ኣብ መርየቱ፡ ኣብ ንብረቱ፡ ኣብ ዓዱ፡ ኣብ ወረዳኡ፡ ኣብ ኣውራጃኡ ከም ምኻኑ ክፍለጥን ክረጋገጽን ዘለዎ። “ሰብ ኣብ ዓዱ እክልንከ! ኣብ ዓውዱ”።

ብዓዱ ዘይሕበን ዜጋ ብዛዕባ ሽግር ዓዱን ህዝቡን መፍትሒ ኣለኒ ዝብል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ። ብናይ ወጻኢ ሞደል እና ኣምጼ ሽግራት ሃገራት ዘርዚሩ ኣብ ፍርሒ ዓለም ዝነብር ሽግር ሃገሩ ክፈትሕ ከምዘይክእል ክፍለጥ ይግባእ።

ጉባኤ ቤት ገርግሽ ኣስመራ 1946 ከካብ ኣውራጃታቶም ተኣኪቦም ዘተዩ። ዘይምርድዳእ ነበሮም፡ እንተኮነ ተቓቲሎም ዝብል ታሪኽ ኣይገደፉልናን።

እንተዳኣ፡ ህዝብና በብ ኣውራጃኡ ተኣኻኪቡ፡ ብብሄሩ ተኣኻኪቡ፡ ብዓልየቱ ተኣኻኪቡ፡ ዘትዩ ሽግሩ ፈሊጡ፡ ከምቲ ቀዳሞት ወለዱ ኣብ ባይቶኦም ዘትዮም ዝፈትሕዎ ዝነበሩ ሽግሮም ክፈትሑ ኪኢሎም፡ ኣብ ልዕሊ ማንም ዜጋ ሓደጋ ክሳብ ዘይገበሩ፡ ንፍትሕን፡ ንሓቕን፡ ንሰላም፡ ንብሓባር ምንባርን፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘትዮም ሰላም ራህዋን ይመጽእ፡ ምትእምማን ይርከብ፡ ተኸባብሩ ክነብር ከኣ ይኽእል።

እዚ ኣፍኩም ሓዙ፡ ንሕና ዝበልናኩም ስምዑ፡ ሕጋውነት የብሉን። ዓማጽን፡ ጓዕጻጽን፡ በዳልን፡ ተበላጽን መንፈስ ምዃኑ ህዝቢ ክርዳእ ይግባእ።

ኣብ ሃገራዊ ርእይቶም ማንም ዉድብ፡ ዉልቀ ሰብ፡ ድርጅት፡ እምነት ናይ ሓሳባት ናይ ምውናን ምንም መሰል የብሎም። ክትረት ወይ ሽፍትነት ኣብ ባይቶ እዩ ክባሃል ዝከኣል።

ንመረጋገጺ ንተማራመርቲ ታሪኽ ይሕደግ።

ኣብ ግዜ ሱሳታት ከም ፋሽን ዝተወስደ፡ ኣብ ሳልሳይ ዓለም ብፍላይ ፍልስፍና “ማርክስን-ኢግልን- ለኒንን- ደሳዊ ደምበ ንዘይፈልጥን፡ ንዘይኽተልን፡ ንኡስ ቡርጅዋ ወይ ኣድሓርሓሪ እናተባህለ ንኽውንጀል ኣፍደገ ከፈተ”።

ኣብ ኤርትራ ብዉሑዳት ትምህርቶምን፡ ኣፍልጦኦምን፡ ኣብ ባህልን ስርዓትን ዓደቦ፡ ኣብ መነባብሮ፡ ህዝብን ብሄርን፡ ኣብ ሃይማኖትን እምነትን ጸቢብን ድሩትን ዝኾኑ ኣብ ሜዳ ኤርትራ “ ተጋደልቲ ዝብል መንነት ኣብ ቒሎም ናይ ሓሙሽተ ሚልዮን መጻኢ ዕድል ወሰንቲ ኮይኖም ተረኽቡ። እዞም ጭልቕ ኣፍልጦ ዝሓዙ፡ ብዕድሚኦም መናእሰይ ብመነባብሮ ዓለም ዘይተፈተኑ፡ ብመንነቶም ዘይሕበኑ ዜጋታት ንህዝብን ሃገርን መጻኢ ዕድል ወሰንትን፡ ሓገግትን፡ ፈረድትን፡ ቀንጸልትን፡ ኣደንቆርቲ ህዝቢ ኮይኖም ንነዊሕ ዓመታት ንህዝቢ ኣብ ድኽነትን ድንቁርናን ባርነት ንኽነብር ብስም ነጻነት ኣዳቒቖም ሃሰይዎ።

ኣብ ጉዳይ ሃገርና ኤርትራ ተኣኪብካ ምልዛብ ኣድላዪ እዩ። ኣፍካ ሓዝ፡ ወገን እባ፡ ኣውራጃ እባ ኢልካ ምቑንጻብ ግና መሰረት የብሉን። ንሕና ምኩራት፡ በላሕቲ ካድራት ኢልካ ነብስኻ ምንእኣድ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሖን፡ ኣጋፍሖን ዳኣምበር መፍትሒ ኣይተርኽቦን።ምህራት ብግቡእ ፍልጠቶም ንህዝቢ ኣብ ዝሰርሕሉ ይምስገኑ። ኣብ ጥቕሞም ከድህቡ ግና ገበን እዩ።

ኣብ ፖሎቲካ ዓለም ህዝቢ ክሳብ ዘይ ኣመነካ ፍልጠትካን፡ መንፋዓትካን ፡ ናይ ገንኢ መብራህቲ ኮይኑ ኽዋነብር።

ኣውራጃት ኮና ዓሌታት ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሎም ብረት ተዓጢቖም ካብ መከቱ! ኣብ ዘዘልዉዎ ኮይኖም ዓድና ፈረሰት ከይዓነወት መፍትሒ ንርከበላ ኢሎም ክዝትዩ ጥራሕ ዘይኮነ ማህበሮም ከድልደሉ መሰሎም እዩ። ኣብ ልዕሊ ካልእ ዜጋ ምስ ዝዕምጽ ግና ሕጊ ጠሓሱ። ሕጊ ጥሒስካ ሕጊ ስለዘይትከል ኣብ ጽላል ሕጊዝግበር ምትእኽኻብ፡ ኩሉ ዜጋ ከምዝኽእሎ ክጥርነፍን መፍትሒ ክደልን መሰሉ ስለ ዝኾነ ካብ ማን ዉድብ ፍቓድ ኣየድልዮን ምኻኑ ክሕብር ይፈቱ።

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ
ፍትሒ ይንገስ

ሃይል ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
ተወላዲ ዓድዃላ
ዘቢሄረ ሰራየ
1-25-2015