ዕድመ ንካልኣይ ዓመታዊ ህዝባዊ-ጉባኤ ኢንዲያናፖሊስን ከባቢኣን፡

ዕድመ ንካልኣይ ዓመታዊ ህዝባዊ-ጉባኤ ኢንዲያናፖሊስን ከባቢኣን፡

ንቀዳም 10 ጥሪ 2015

ብመሰረት ዓንዲ-ሕጊ ማሕበርን፡ ውሳኔ ራብዓይ ስሩዕ ህዝባዊ ኣኼባን፡ ካልኣይ ህዝባዊ ጉባኤ ማሕበር ኤርትራውያን ንፍትሒ ከተማ ኢንዲያናፖሊስን ከባቢኣን፡ ንቀዳም ዕለት 10 ጥሪ 2015 ክግበር ምዃኑ ንኩሉኹም ኤርትራውያን ተቐማጦ ኢንድያናፖሊስን ከባቢኣን ንሕብር።

indiana-policማሕበር ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክረጋገጽን ፍትሒ ክነግስን ዝጽዕት ብዕላዊ ህዝባዊ መጋባእያ ብህዝቢ ንህዝቢ ዝቖመ፡ ናይ ሓባር መቃለሲ መኣዲ ወይ ባይታ’ዩ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ኩሉኹም ኣብ ሃገርና ኤርትራ ፍትሒ ክነግስ እትብህጉን ብስሙር ሃገራዊ ሓባራዊ ቃልሲ ብናይ ሓባር ዕላማን መደብ-ስራሕን ህዝብን ሃገርን ካብ ሓደጋ ንምድሓንን ኣካል ናይ ፍታሕ ንምዃን እጃምኩም ከተበርክቱ ፍቓደኛታት ዝኾንኩም ኤርትራውያን ኣብ’ዚ ጉባኤ’ዚ ኣብ ሰዓቱ ክትርከቡ ብኽብሪ ንዕድም።

ጉባኤ ተሞክሮ ዝሐለፈ ዓመት ገምጊሙ፡ እቲ ክመሓየሽ ዘሎዎ ንምምሕያሽን፡ ንዓመት ንስራሕ እተካይድ ሽማግለ ንምምራጽን ካብ’ቲ ቀንዲ ኣጀንዳ ናይ ጉባኤ ኢዩ። ብማዕርነታዊ ተሳትፎ ናይ ዜጋታት፡ ዝኾነ ውልቀ-ሰብ እቲ ኣብ ጉባኤ ብህዝቢ ክጸድቀሉ ዝደልዮ ሓሳብ ከምጽእ ሙሉእ መሰል ከምዘሎዎ ከነዘኻኽር ንፈቱ።

በዚ ኣጋጣሚ ከኣ፡ ንኣመንቲ ክርስትና ርሑስ በዓል-ልደትን፡ ንኩሉኹም ኤርትራውያን ከኣ ርሑስ ሓዲሽ ዓመት፡ ዓመት ዲሞክራስያዊ ለውጥን፡ ስኒትን ራህዋን ሰላምን ክግብረልና ንምነ።

ዕለት – ቀዳም ዕለት 10 ጥሪ 2015
ሰዓት – 2፡00 ድሕሪ ቀትሪ
ቦታ – ደብረ-ገነት ኪዳነምሕረት ቤተ-ክርስትያን
230 W. Morris St. Indianapolis IN. 46225

ብድሓን ምጹ!

ኣሰናዳኢት ሽማግለ
ማሕበር ኤርትራውያን ንፍትሒ

ካልኣይ ጉባኤ በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

ካልኣይ ጉባኤ በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

ድለይቲ ፍትሒ በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ዳዕሮ በይ-ኤርያ) ካልኣይ ጉባኤኡ ብዝሓለፈ ሰንበት 7 ታሕሳስ ኣካይዱ። ኣብዚ ጉባኤ እዚ ዓመታዊ ምርጫ ተገይሩ። እዚ ጉብኤ እዚ፡ ብቑጽሪ ተኻፈልቱ ይኹን ብኣጋባብ ኣካያይድኡ፡ በቲ ኣብኡ ዝወዓለ ኣባል ኣድናቖትን ምስጋናን ዘትረፈ እዩ። ምኽንያቱ መብዛሕትኡ እቲ ንጡፍ ተኻፋሊ፡ ብሰንኪ ሽማግለ ቦርድ ዘሕለፎ ጽጉም ተሞክሮታት ካብ ዘሕደሮ ስክፍታ ብምብጋስ፡ ብዙሕ ሰብ ኣይክመጽእን እዩ ዝብል ግማት ነበሮ። ብኣንጻሩ ግና ኣብዚ ካልኣይ ጉባኤ እዚ፡ እቲ ዝተዳለወ ኣዳራሽ ዒቕ ኢሉ፡ ነቲ ዝነበረ ስክፍታ ወጊዱ፡ ንረኣይኡን ተኻፈልቱን ኣደኒቑን ኣሐጒሱን እዩ ዘምሰየ።

2-gubae-daero-beyeria-1ኣኼባ ብሕጽር ዝበለ ዝኽሪ ነቲ ዓሚ ከምዚ ሎሚ ኣብ በይ-ኤርያ ፍልማይ ዑደቱ ዝፈለም ክቡር ኣቦን ሓውን ሎሚ ምሳና ዝየሎ ዶክተር ተወልደ (ወዲ ቫካሮ) ብምዝካር እዩ ተከፊቱ። ብኣዳለውቲ ምርጫ ከም ዝምራሕ ብምግባር ከኣ፡ ኣጀንዳታት ናይቲ ኣኼባ ሰሪዖም ንኣኼበኛ ብጽሑፍ ዓዲሎም ኣንበብሉ። ካብቲ ቀዳማይ ኣጀንዳ ዝተሰርዐ ጸብጻብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ምቕራብ እዩ ዝነበረ። ዮናስ ወልደኣብ ኣባል ቦርድ ብፓወር ፖይንት ኣሰንዩ፡ እቲ ማሕበር እንታይ ንጥፈታት ከም ዘካየደ፡ ብሓፈሽኡ ጉዕዞኡ እንታይ ይመስል ከምዝነበረ፡ ዓቕሙ ክብ ንምባል ድማ ዘለዎ ዕድላትን ተኽእሎታትን መደባትን ብምስራዕ ከመይ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣረዲኡ። እንተኾነ ግና ሓደ ካብቲ ድኽመታት፡ ዓመታዊ ጸብጻብ ሽማግለ በይ ኤርያ ብምልኡነቱ ክቐርብ ዘይምኽኣሉ እዩ። ኣቦ-መንበር ኣብዚ ኣኼባ እዚ ሰለዘይተረኽበ፡ ከምኡ ዝኾነሉ ምኽንያት ብምክትል ኣደ-መንበር ብከምዚ ዝስዕብ ተገሊጹ። ንሱ ድማ እቲ ቦርድ ብፍርቂ ሓይሉ ጥራይ ይሰርሕ ብምንባሩ፡ ኣባላት ቦርድ ኣብ ገለ ገለ ግለሰባት ዘይምርድዳእ ስለዝነበር ኣብ ስራሕ ጸገማት የጋጥም ከምዝነበረን ከምቲ ዝተተለመ ክስጉም ከምዘይተኻእለ ሓቢራ። ስለዚ እቲ ቦርድ ሽግራት ስለዝነበሮ ፡ ነቲ ጸገማቱ ዝፈትሕን ዝዓርቕን ናይ ምርድዳእ ሽማግለ ተመስሪታ፡ ሓደ ሓደ ግድላት ከምዝፈትሐትን ከምዘረዳድአትን እውን ገሊጻ። ብሓፈሽኡ ነዚ ኣርእስቲ እዚ ኣልዒልና ክንዛረብ እንተድኣ ኾይና እቲ ጠንቅን ሳዕቤናቱ ርዱእ ክነሱ ኣውዒሉ ከሕድረና እዩ። ስለዝኾነ ኸኣ፡ ብሓፈሽኡ እቲ ስእሊ ከምዚ ኣሕጺረ ዝገለጽክዎ ኾይኑ፡ ኣብዚ ሎሚ መዓልቲ ኣኪብና ዘሎ ጉዳይ ናይ ምርጫ ተድሃብና ይሓይሽ ዝብል ርእይቶ ብምሃብ ደምዲማ። እቲ ኣኼበኛ ድማ ነዚ ርእይቶ እዚ ርዒሙ፡ ጉባኤ ናብ ጉዳይ ምርጫ ኣተወ።

የግዳስ ምስቲ ኩል ጸገም፡ ደለይቲ ፍትሒ በይ-ኤርያ ከም ቀደምና መሪሕ ተራ ክንጻወት ኣለና ብምባል ኣብ ሓይሊ ዕማም ብምጥርናፍ ንብዙሕ ተቀማጦ እዚ ከባቢ ብምስታፍ ሓያሎ ዕማማምት ብዓወት ተዛዚሙ እዩ። ሓደ ካብቲ ጎሊሑ ዝተራእየ ስርሓት ድማ ኣንጻር ፈስቲቫል ጉጂለ ህግደፍ ዝተካየደ ሰላማዊ ሰልፊ እዩ። እዚ ንብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ ጸባ ዘስተየ ኾይኑ፡ ንተደናገጽቲ ህግደፍ ድማ ግምዕምዕ ዘበለ ሃንደበት እዩ ኔሩ።

2-gubae-daero-beyeria-2ድሕሪ ጸብጻብ ቦርድ፡ ኣዳላዊት ምርጫ ኣጋባብ ምርጫ ክመሓየሽ ኣለዎ ብማለት ነቲ ዝሓለፈ ሰሙንን ፈረቃን ክንዳለወሉ ዝቀነና እማመ ናብ ህዝቢ ቀረበ። እማመና ኣብቲ ሕገ-ህንጻ ማሕበር ስለዘየለ ከም ዓንቀጽ ወይ ዓንቀጻት ክሰፍር ኣለዎ ብማለት ኣኼበኛ ብድምጺ ንኸጽድቖ በብሓደ ተዘትይሉ። ብሓጺሩ፡ ምርጫ ክካየድ እንከሎ፡ ንሓደ ዜጋ ዝሓጺ ስለምንታይ ይሓጽዮ ከምዘሎ ክገልጽ፡ ተቓዉሞ ብዛዕባ ሕጹይ ዘለዎ ተቓውሞኡ ክገልጽ፡ ሕጹይ ነቲ ዝተሓጽዮ ስራሕ ኣመልኪቱ ዓቕሙን ክእለቱን ብቕዓቱን ክገልጽ፡ ንነብሱ ክፋልጥ ወ.ዘ.ተ. ብሓፈሽኡ ኤርትራዊ ዜጋ እዚ ኣጋባብ እዚ ንኽላማመድ ኣብ ሕገ-ህንጻ ማሕበር በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንኽሰፍር ተሰማሚዑ። በዚ መሰረት እዚ ኸኣ እቲ ምርጫ ተኻይዱ። 16 ሕጹያት ቀሪቦም ካብኦም ከኣ 7 መሪሕነት ቦርድ ተመሪጾም። ምስኡ ተተሓሒዙ ከኣ ኮታ ወይ ሕዛእቲ ንተኻፋልነት ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መሪሕነት ዝምልከት፡ ብዝወሓደ ካብ 30% ናብ 40% ክብ ክብል ጸዲቑ። ኣብ ርእሲኡ ነዚ ሕግታት እዚ ኣብ ሕገ-ህንጻ ዘስፍሩን ካልእ ክምዕብልን ክመሓየሽን ዘድልዮ ዝርእዩን 3 ኣባላት ተመርጹ። ከማኡውን ክልተ ትቆጻጸርቲ ማሕበር ብተሳትፎ ጉባኤ ተመሪኢጻም ጸደቁ።

ኣብዚ ምርጫ እዚ መብዛሕትኦም መንእሰያት እዮም ተመሪጾም። ኣብ ሕጸ ዝቐረቡ ውሑዳት ዓበይቲ ግና ነይሮም እዮም። እንተኾነ ግና ሓደ ሓደ ካብኣቶም፡ ንስኻትኩም መንእሰያት ክትቅበሉናን ክትመርሑናን ኣለኩም ዝብል ርእይቶታት ብምቕራብ ነቲ ሕጸ ዘይተቐበልዎ ነይሮም። ብሓፈሽኡ ግና እዚ ኩነታት እዚ ርዱእን ርኡይን ብምዃኑ እቲ ዝሕጸ ዝነበረ መብዛሕትኡ መንእሰይ እዩ ዝነበረ። በዚ መሰረት እዚ ኣብ በይ-ኤርያ እቲ መሪሕነት ቦርድ ናብ መንእሰያት ተመሓላሊፉ እዩ ክብሃል ይከኣል። ኣብ መጨረሽታ እታ ብዙሕ ግዜ ድገምያ ዘበለት ግጥሚ ፍረወይኒ ገርግሽ ድሕሪ ምንባባ፡ እቲ ዝወዓለ ኣኼባ በዚ ተፈጸመ። ኣርእስቲ እታ ግጥሚ፡ ”ኣብ ዝኽሪ ሽምዓኻ እዩ ጉባኤና ወዲ ባካሮ፡” ትብል። ሓንቲ ዓምዲ ካብታ ግጥሚ፡–

ከማኻ ከለዉ ዝኻሓዱ ነቲ ስርዓት፡ ምስጢር ከይዛረቡ ዝሰኣኑ ትብዓት
ሓኒቕዎም ከሎ ከም ምራን ቁራብዓት፡ ዳዕኒንዎም ከሎ ከም ሕማም መንድዓት
ጎቦ ጎቦ ዝብሉ ኣካይዳ ፈርሓት፡ ኣይተብዓት ተቓለስቲ ጎድኒ ናይ ውጽዓት
ኣይንጹራት ተጣበቕቲ መሳሰይቲ ስርዓት፡ ብደዎም ዝብከዮም ኣለዉና ቊቛታት

ኣሰናዳኢት ምርጫ በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
12.10.14

ዜና ዓርቢ ሓርነት

 06 ታሕሳስ 2014


ዜና ዓርቢ ሓርነት


ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ቀዳምን ሰንበትን ህዝቢ ኤርትራ ንምልካዊ ስርዓት ሓቢሩ ሓግሒጉ ንኸኣልዮ ዝጽውዕ መልእክቲ ዝሓዘ ስእላዊ ጽሑፍ (ግራፊቲ/graffiti ) ን ፖስተራትን ስቲከራትን ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ስኢሎምን ለጢፎምን። 



ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ካብ ኤርትራ ብዝሓበሩዋ መሰረት እቲ ስእላዊ ጽሑፍ (graffiti) ኣብ ዝተፈላለየ ቦታትት ክኸውን ከሎ ሓደ ካብቲ ግራፊቲ ዝተሰኣሎ ቦታ ድማ ኣብ ፊት ቤት መግቢ መሶብ ወርቂ ጥቃ ካማሳሪያቶ ሓማሴን ዝፍለጥ ቦታ ምኾኑ ሓቢሮም። እቲ ስእላዊ ጽሑፍ (graffiti) ድማ ”ሓውካ ኣበይ ኣሎ”፣ ”ተለዓል” ን ”ዓርቢ ሓርነት” ዝብል ይርከቦ። እዚ ንለውጢ ዝጽውዕ ስእላዊ ጽሑፍ (graffiti) ንመጀመርያ እዋን ኣብ ኣብ ኤርትራ ይሰኣል ከም ዘሎ ሓቢሮም።



በቲ ሓደ ሸነክ ድማ፡ ቀዳም ምሸት ኣብ ዘተፈላለያ ለይታዊ ትልሂት ክዘናግዑ ዘምሰዩ ናብ ማኪንኦም ምስተመልሱ ”ሓውካ ኣበይ ኣሎ” ዝብል ስቲከር ከምዝለጠፉሎም ሓቢሮም። ክምኡውን ኣብ ዝተፈላለየ ሕዝቢ ዝእከቦሎም ቦታትት ዘተፈላለየ ጽሑፍ ዘለዎ ፖስተራት ለጢፎም ከም ዝሓደሩ ሓቢሮም።



ኤርትራና ክውንቲ ንኽትከውን ሂወቶም ዝኸፈሉ፡ ኣካሎም ዝሰንከሎን ደሞም ዝኻዓውን ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ኤርትራ ኩሉ ኤርትራዊ ብማዕረ ዝዳነየላ፡ ሃገር ፍትሕን ዲሞክራስን ድኣ’ምበር፡ ኤርትራዊ ብፍርሒ ተጎቢኡ፡ ብግፍዕን ምልክን ዝመሓደረላ ሃገር ክትከውን ኣይኮነን ዝነበረ። ስለዚ ነዚ ካብ ጻት ናብ ጻት ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ሚሒኻ፡ ራእን ትምኒትን እቶም ምእንቲ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝሓለፉ ጀጋኑ ሰማእታትና ንምትግባር፡ እዋኑ ዝጠልቦ ሃገራውን ታሪኻውን ግዴታ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ እዩ።



ዓርቢ ሓርንት ኣብ ዕሰርተ ሓደ ሕዳር 2011 (11/11/11) ዝተመስረተ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምንጋስ ብኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝካየድ ፖርጀክት እዩ። ክሳብ እዚ ዕለትውን ብርክት ዝበሉ ንለውጢ ዝጽውዑ ንጥፈታትን ቃል መሕተትን ኣካይዱ ኣሎ። ብዘይ ደገፍ ገንዘብ ወልሓደ ክግበር ስለዘይክኣል፡ ኩሎኩም ነዞም ተስፋ ሃገር ኮይኖም ዘለው ደለይቲ ፍትሂ ካብ ኤርትራ ክንሕግዦም ብትሕትና ንሓትት፡፡ ናይ ፐይፓል ሕሳብና ደማ እንሆ፡ http://goo.gl/LKlRJL


06 ታሕሳስ 2014

አፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት

 

ብሓቆም ዲዮም ብዘይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኤርትራውያን ህዝቢ ጠርኒፎም ክመርሑ ዘይክሉ?

ብሓቆም ዲዮም ብዘይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኤርትራውያን ህዝቢ ጠርኒፎም ክመርሑ ዘይክሉ?

ህዝቢ ኤርትራ ኮ ተዋሪዱ
ዝመርሖ ድዩ ተሳኢኑ ዕንዱ፡
ሕዋቱ ኣሓቱ ደቁ እንዳተሓርዱ፡
ካን ኮይንዎ ድርባይ ኮይኑ ተሪፉ ዓኒዱ፡

ከም ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ዓለም መጠን ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ንመሰሉ ኩሉ ግዜ ምስ ተቓለሰ’ዩ። ን100 ዓመት ዝኣክል ካብ መግዛእቲ ጣሊያን ኣስዒቡውን መግዛእቲ እንግሊዝ፡ ቀጺሉ ብሃይለስላሴ ክሳብ መወዳእታ ናይ ደርጊ ምዕናው ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነቱ ብቅልጽሙ ሓራ ዘውጸኤ ህዝቢ እዩ።

ድሕሪ ናትነት ልኡላውነቱ ምስ ኣረጋገጸን ናብ ባርነት ቀይዲ ኢሰያስ ምስ ተቖረነን ግን፡ ኣይግድን ንመሰሉ ክካላኸል ኣይካኣለን ምስ ሓራዲኡ ከሳሲ መሪጹ። እቲ ሕሉፍ ጅግንነት ተሞሮኡ ህዝቢ ኤርትራ ኣለዎ ዝባሃል ደኣ ኣበይ ኣቲዩ እቲ ናይ ኤርትራውያን ውደባ መሪሕነት ብቕዓት? ብሓቆም ዲዮም ብዘይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኤርትራውያን ህዝቢ ጠርኒፎም ክመርሑ ዘይክሉ?

ኣመል ምስ መግነዝ ከምዝባሃል፡ ኤርትራውያን ራዛ ናይኣቡኡ ሓዛ ግዲ ኮይንዎ ኣብዚ ድሕሪ ናጽነት ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንለውጢ እንኮ ሓደ ስርዓት ህግደፍ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ እንዳሃለወ ክንሱ ብኣልማማ ንኹሉ ሕብረተሰብ ኤርትራ እንዳጨፍለቖ፡ ልዕሊ 30 ውድባት ኤርትራውያን ፈጢሮም ሓድነት ከይፈጠሩ ክምክትዎ ደሊዮም። ልክዕ ከምቲ ኣብ 50ታት ዝነበረ ኩነታት ሳኣን ሓድነት ኤርትራውያን ንኸይሳማምዑ ብዝተፈላለየ ገለ ብኣንድነትን ብኤርትራውያን ንኤርትራውያን ብኣራቢጣ እስላሚያን ወዘተ. ክሳብ ካብ 10 ዘይውሕዳ ወደባታት ፈጢሮም ተጓዛዝዮም ፍሬ ከየፍረዩ ክሳብ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ኤርትራ ከም ትቑረን ኮይና። ብሰንኪ እቲ ሓድነት ኤርትራውያን ዘይምፍጣሮም ህዝቢ ኤርትራ ተገዲዱ ንሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ብ1961ዓ.ም. ብረት ክዓጥቕ መንእሰይ ኤርትራ ወሪዱ። ኣብቲ ብረታቂ ቃልሲ እውን እንተኾነ ብኽንደይ ሓርጎጽጎጽን ሽርሒታትን መቕዘፍቲ ንጹሃት ኤርትራውያን ብመሪሕነት ናይዘን ክልተ ውድባት ብጀብሃን ሻዕቢያን እንዳተፈዘመ ምስ ተንኮላቶምን ገበናቶምን ን30ዓመት ዝኣክል ንኽንድኡ ዓመታት ክወስድ ዘይግቦኦ ዝነበረ ቃልሲ እቲ ኢሉ በቲ መቸስ ብ1991ዓ.ም. ናጽነት ኤርትራ ብቕልጽም ደቁ ተጨቢጡ ሰውራ ኤርትራ ኣብቒዑ።

ኣብቲ መሪር እዋን እቲ ጽንኩር ናይ ቃልሲ መድረኽ ዝነበረሉ ሰውራ ኤርትራ ህዝባዊ ግንባር ክዕወት ዘኽኣሎ ንመይኑ ድሕሪ ሕድሕዳዊ ኲናት ሜዳ ኤርትራ ምስ ባሓተ ተቓሊሱ ኣይምተዓወተን ህዝቢ ኣብ ጎኒ ደቁ ከም ማይን ጸባን ኰይኑ እንተዘይ ሕወሶ።

ልክዕ’ዩ ህዝባዊ ግንባር መካናይዝ ዝኾነ ውድባዊ ኣሳራርሓ ስለ ዝነበሮ ክዕወት ዘኽኣሎ ዘይሳሓት ሓቂ’ዩ። ነዚ መካናይዝ እዚ ሞቶር ኰይኑ ዘስረሖ ዝነበረ ብናይ ሓደ ሰብ ርእሲ ናይቲ ውድብ የንቃሳቕሶ ብምንባሩ ኢሰያስ ኣፈወርቂ በታ መካናይዝ ዝኾነት ውድባዊ ሞቶረ ናይ ህዝባዊ ግንባር ናይ ብዙሓት ርእሲ ተዋሃሂዱ ነቲ ሞቶረ ዘይምስርሑ ግን ነቲ ናይ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ኣካላዊ ሞቶር ህዝባዊ ግንባር ነቲ ሓረግ የሕሪሩ ናብቲ ናብ ድሕሪ ምሕራር ሓራ ኤርትራ ምውጻእ ናይ ናጽነት መስርሕ ናብ ውልቀ ምልኪ ባርነት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ክብሕቶ ዕድል ኣይብረኸበን።

ብዘይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ህዝባዊ ግንባር ከ ምተዓወተ’ዶ?
ከም ዝመስለኒ ኣይፋሉን ህዝባዊ ግንባር ኣይምተዓወተን። ስለምንታይሲ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናይ ምትላል ሰባት ክእለት ከመይ ገርካ ተማሓድሮምን ናይ ምእዙነት ኣብ ትሕቲ ሰባት ዝፈጥር ምውህሃድ ክእለት ናብ ቻይና ኣብ ዝኸደሉ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ኮርስ ዝወሰደሉ ፍልጠት ቀሲሙ ኣብ ግብሪ ዘውዕሎ ዘሎ ሰብ እዩ። ነቲ ዝተምሃሮ ናይ ማኦ ኣገባብ ዕላማ ተኸቲሉ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ከስርሖ ዘተግበሮ ሜላታት ተጠቒሙ ንሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ከምድላዩ ምኡዙዛቱ ከም ዝኾኑ ዝገብሮምን ዝነበረን ክሳብ ሕጂ ዘሎን። ኣብ ሜዳ ኤርትራ ን30 ዓመት ውሽጡ ውሻጠኡ ዝነበረ ግዕዘይያት ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ጀጋኑ ተጋደልቲ ንኽንደይ ምሁራትን በላሕትን ዝነበሩ ጀጋኑ ኤርትራውያን ንህዝባዊ ግንባር ጥራሕ ዘይኮነስ ንመጻኢት ኤርትራ እውን ዓቢ ግደ ዝነበሮም በላሕቲ ሰባት በቲ ዝነበሮ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ተንኮላዊ ብልሓት ተጠቒሙ ግን ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ ምሕያራትን ምቕንጻላትን ብኢሰያስ ዝተፈጸመ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባርን ድሕሪ ናጽነትን እዚዩ ኢልካ ዝትንተን ኣይኮነን። ከምዚ እንዳገበረ ዝመጸ መራሒ ኣብ ትሕቲ ኢሰያስ ዝማሕድሩ ዘለዉ ሓለፍቲ ናይ ኢሰያስ መትከል ዝኽተሉ እምበር፡ ናይ ተጋደልትን ናይ ህዝብን ጸገም እንታይ ዓይነት የጓንፎ ኣሎ ህዝቢ ዝሪኡን ዝሓስቡን መረሕቲ ኣይኮኑን፡ ኢሰያስ ያሃሉ ጥራሕ ክነብር ዝብሉን ዝሓስቡን እዮም።

በቲ ዝነበረ ዱልዱል ዝኾነ ውዳበ ሓፋሽ ውድባት ሓደ መርኣያ ናይቲ መካናይዝ ዝኾነ ናይ ህዝባዊ ግንባር ውድባዊ ኣሳራርሓ እዩ። ቀጻልነት ናይቲ ዝሓለፈ ሓፋሽ ውድባት ነዚ ናይ ሕጂ መልክዑ ቀይሩ ዝመጸ ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና ህግደፋዊ ውዳበ ስጡም ዝኾነ ናይ ኣባልነት ተሰታፍነት ሓንጎሎም ሓጺቡ ብርእሲ ኢሰያስ ከም ዝቃሳቐሱ ገይሩ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ኣረመናዊ ምሕደራ ሪኦም ከምዘይ ራኣዩ ገይሩ’ዩ ሰሪሑዎም ዘንቃሳቕሶም ዘሎ።

ወዮ ደኣ ኢሰያስ ኣፈወርቂ እቲ ክእለቱ ንተንኮልን ንኽፍኣትን ኰይኑ እምበር፡ ከምቲ ለይትን ማዓልትን ዝሰርሖ ዘሎ ንጽቡቕ ድልየትን ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ነይርዎ እንተዝኸውን ኤርትራ ሃገርና ኣይከምዚ ዘላቶ ሕጂ ህዝባ ኣብ ባርነት ኣብ ውልቀምልኪ ኣይምሃለወትን። ማዕረ ኽንደይ ክእለት ኣለዎ እዩ ግን ሰጥ ለበጥ ኣቢሉ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ገይሩ ዝገዝኦ ዘሎ የታሓሳስበካ’ዩ። ካብኩሉ እቲ ዝገርመካ ነገር እንተሎ ነቲ ብልሓት ዝጥቀመሉ ዘሎ ሜላታት ነቲ ክፍኣት ተግባራቱ ንልዕሊ 46ዓመት ከይተበትከ ስልቲታቱ ይሰርሓሉ ምህላዉ እዩ። ስለምንታይ ኤርትራውያን ክልተ ዓይነት ብልሓት ክጥቐሙ ዘይካኣሉ። ወይ ከምታ ንሱ ዝጥቀመላ ሜላ ተጠቒምካ መስርሕካ እንዳዋፈርካ ነቲ ዝሓስቦን ዝኣልሞን ዘሎ ስልቲ ኣቐዲምካ ፈሊጥካዮ ስለ ዘለኻ ነብስኻ ክትካላኸል ትኽእል። ስለምንታይ ሓደ ዓይነት ምስሊ ኢኻ ትፈጥር ዘለኻ። ኣብታ ካልኤቲ ኣብተን ውድባት ኤርትራውያን ዘሎ ሕምቀት ንህዝቢ ወዲበን ክጥርንፎኦ ስለ ዘይካኣላ፡ ከምቲ ናይ ህግደፍ ኣወዳድባ ሜላ ክኽተላ ኣለወን ብዲሞክራሲያዊ መትከል ኣሳራርሓን ንኹኩ ብማዕረ ዘሳትፍን መሰል ኤርትራዊ ዝሕለወሉ ክኾውን ኣለዎ።

ኩነታት ሃገርና ኤርትራ ንመጻኢ ኣብ ሕቶ ምልክት ንህላወ ኤርትራ ትሃሉ’ዶ ኣይትሃሉ ኣስጋኢ ዝኾነ ኩነታት እያ ኤርትራ ሃገርና ኣብ ምስጣሕ ዘላ። ኤርትራ ሃገርና ብኢሰያስ ኣፈወርቂ ናብ ገደል የጽድፋ እንዳሃለወ ጥራሕ ዘይኮነስ ንባዕሉ እቲ ስርዓት መይቱ ንጉድጓዱ ዘእትዎ ሲኢኑ እንዳሃለወ ሳኣን ዝምክቶ ተቓወምቲ ሓይሊ ሲኢኑ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉ ንኸይካላኸል ፋሕ ጭንግራሕ ኣቲዎ ዳራኣየን ዳሰምዔን ይጸንት ኣሎ። ነቲ ንቡር ሂወት ዝባሃል ተፈጥሮኣዊ ከም ሰብ ምንባር ናብራ ዓለም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ምንባር ተሓሪምዎ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ሎሚ እዋን ዘታሓሳስበካ ነገር እንተሎ ናይ ኤርትራውያን ውደባዊ ብቕዓት መካናይዝ ዝኾነ ወዲቡን ጠርኒፉን ሓደ መሪሕ ዝኾነ ናይ ህዝቢ ራኢ ስለ ዘይብሉ ካብቶም ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ውድባት ኢና ባሃልቲ ንህዝቢ ወዲቦምን ጠርኒፎምን ክመርሑ ዘይምኽኣሎም ብሓቆም ዲዮም ብዘይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኤርትራውያን ህዝቢ ጠርኒፎም ክመርሑ ዘይክሉ? ይኽእሉ እንተትህልዉ ንምዉት ሬሳ ዶ ዳኣ ምቕባሩ ይስእኑ እዮም? እዩ ዘብለካ።

ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ጸብጺብካን ጸባጺብካን ዝውዳእ ኣይኮነን፡ በንጻሩ እኳዳኣ እንዳሓደረ ይምእርር።
ብፍላይ ኣብ ናይ ለውጢ ተስፋ ኣብ ዝቃላቐለሉ ወቕቲ ብዝተፈላለየ መልክዕ ነቲ ጨካኒ ዝኾነ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ትንፋስ ዝሰኽዑሉ ባእታታት ኣይተስኣኑን። ብኢድ ተዛዋወሪ ዝግበር ሽርሒታት ገለ ካብቶም ደለይቲ ፍትሒ ኢና ባሃልቲ ነቲ ናይ ለውጢ ተስፋ ሽታ ዝነፍስ ዘሎ ንፋስ ተስፋ ከይህብ ዘዔክሱ ሓደሽቲ ዕላማታት ኣላዓዒሎም ናብ ሓደ መስመር ዘየኺደካ ዕላማ የጫልዱ’ሞ፡ ነቲ ስርዓት ከኣ ትንፋስ ክኾንዎ ይገብሩ።

ህዝቢ ኤርትራ ንመጀመርያ ግዜ በቲ ባርነታዊ ግዝኣተ ኢሰያስ ኣፈወርቂ መሪርዎ ህዝቢ ሎምስ ያኣክል ደጊም ዝሓለፈ ኢሉ ኣብ ዝላዓዓለሉ ዘሎ ትንሳኤ ጠሊ ንለውጢ ዝኾነ ምንቅስቓስ፡ ብገለ ነውራማት ዝኾኑ ኣብ ስደት ዘለዉ ኣብዚ እዋን እዚ ብኣውራጃ ክንጥርነፍ ኣለና፡ ክንደይ ግዜ ብዝተፋላለየ ንለውጢ ዘይፈተና፡ ሕጂ ግን ያኣክል በዚዩ መፍትሒና ዝብሉ ዓይነታት ነቲ ድኽመቶም ዝጎልሕ ዓቕመ ክእለት ህዝቢ ወዲቦምን ጠርኒፎምን ክመርሑ ዝኽእሉ ብቕዓት ዘይምህላዎም ብምዃኖም ከየስደመመና ኣይተረፈን።

ውድቀት ን ዲክታቶር ኢሰያስ ኣፈወርቂ
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና

ብፍቓዱ ኩሉኣለም
2014.12.07

ESMNS and EYSC-NA Joint Task force for COI-Eritrea

ESMNS and EYSC-NA Joint Task force for COI-Eritrea – ሓባራዊ መግለጺ ብዛዕባ ሕቡራት መንግስታት ምጽራይ ገበን ኣብ ኤርትራ
PDF: ምሉእ ትሕስቶ…ESMNSandEYSC-NAjointCOIproject1