ክትስኤ! ገና!

ክትስኤ! ገና!

ምናልባት ንወረ ኢልካ ትድርብየኒ ትኸውን
በቲ መሪር ሓሶትካን፡ ጥዉይዋይ ተግባርካን
ኣብ ጭቓ ትረግጸኒ፡ ኣብ መሬት ትድህኸኒ
እንተኾነ! ኣነ ከም ዶሮና! ተንሲኤ ይበንን!!

ትብዓተይ! ድርቅንቅይ! የጉህየካዶ?
ኣጠማምታኻ ስለምንታይ? ጸላም ይእጉዶ?
ምኽንያቱ! ኣካይዳይ ኮይኑካ ወናኒት ዘይቲ ማእዶ
ምድሪ ቤተይ ጃሕጃሕ ክብል ይረኣየካዶ!!!
ከም ወርሕን፡ ጸሓይን
ብእምነተይ ተዓጻጻፋይን
ብተስፋ ይእምት ይልክዕ ንላዕላይን
ክትስኤ ገና!

ትደሊ ትኸውን ክትርኤኒ ክሰባበር
ርእሰይውን ከድንን፡ ኣዒንተይ ክቑርቖር
እንግደዓይ ክጉንብስ፡ ንታሕቲ ክዉርወር
መንፈሰይ ክዳኸም፡ ናብ ንብዓት ክቕየር

ጸብለል ብምባለይ ጻዕረሞት ኮይንኳ
ዝገብሮ ዝኾነ ዓቕሊ ኣጽበበልካ
እምብዛ ብምስሓቐይ ንዓኻ ረበጸካ
ኣብ ገደናይ ወርቂ ክኮዓት ተራእየካ
ናይ ቃላትካ ተኹሲ በርትዓኒ
ኣጠማምታኻ ከም ካራ ይመታትረኒ
መሪርር ጽልእኻ ይቐዝፈኒ
እንተኾነ ገዳ! ከም ንፋስ ኣተንሲኡ የዕርገኒ!!!

ቁንጅናይ ኮነ! ብጽሕናይ የወናውነካዶ?
ሃንደበት ብምምጻኡ ይገርመካዶ?
ኣሳዓስዓይ ኣልማዝ ዝተሰለምት ክሳዳ ቆሎ
ሰለፍና ክራኸብ ክወዛወዝ ክልሎ

ክትስኤ ገና!
ልዕል ክብልየ ካብቲ ዝሓለፈ ሰራዉሩ ቃንዛ!!!!!
ክትስኤ ገና!!
ጸላም ውቅያኖስ በሕሪ እየ! ዝልዕል ዝሰፍሕ
ተቓሊሰ! ዝምንጉድ፡ንኹሉ ዘርብሕ
ድቕድቕ ጸላም ገዲፈዮ! ንድሕሪት ዘፍርሕ
ጭካነን፡ መከራን እቲ ኩሉ ዘስካሕክሕ
ክትስኤ ገና!
ናይ ብርሃን መዓልቲ ዝድነቕ ዕረፍቲ
ክትስኤ ገና!
ክመልሶ እየ! ብወለድይ ዝተኸፍለ ብጉልበት!!!
ኣነ እየ!! ሕልምን፡ ተስፋን፡ ጓል ባርነት!!!!!!!!!!!!!!
ክትስኤ ገና!!!
ክትስኤ ገና!!!
ክትስኤ ገና!!!

ብነብ ሲሄ ማያ ኣንጀሎ ዝተገጥመ
ነፍ ስሄር ፕረሲደንት ማንደላ ኣብ ጽምብሉ ዘንበቦ፡
ብሰላም ዕረፊ
ለባም፡ መምህር፡ተቓላሲት፡ ባዕላ ዝተማህረት፡ ደራሲት፡ ገጣሚት፡ደራፊት፡
ልዕሊ 30 ናይ ክብሪ ዶክተርነት ዝተሰለመት፡ 36 መጻሕፍቲ ዝጸሓፈት፡ ኣደ ዉጹዓት ዝነበረት ዜጋ እያ።

ተርጓሚ
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 30 ግንቦት 2014
ኣብ ኣተርጉማ ሓላፍ ዘላፍ ክህሉ ስለ ዝኽእል ኪእላታት ክእርሙ ይላቦ።

 

 

 

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.