ብምኽንያት ግንቦት 24 መዓልቲ ነጻነት፡ መግለጺ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ (ዲውብብኤ)

ብምኽንያት ግንቦት 24 መዓልቲ ነጻነት፡ መግለጺ
ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ (ዲውብብኤ)።

ግንቦት 24 ኣብ ታሪኽና ኣገዳሲን ፍሉይ ምዕራፍ ዝሓዘት፡ ብህዝብታት ኤርትራ ወትሩ እናተዘከረት እትነብር ክብርቲ ዕለት`ያ። ህዝብታት ኤርትራ ኣብ’ቲ ዝተናውሐ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእታዊ ዘካየድዎ ቃልሲ፡ ክቡር ሂወቱ ብምኽፋልን፣ ኣካላቱ ብምስልካል፣ ናብራኡ ብምዝንባል፣ ከርፈሕ ናብራ ስደት ተጻዊሩ ክትግምቶ ዘጸግም ብርሰት ንብረትን ጥሪትን ግዜን ከፊሉ ነዛ ክብትሪ ዕለት እዚኣ ጋህዲ ክትከውን ገይሩ፣ እዚ መዘና ዘይብሉ መስዋእቲ ተኽፊልሉ ዝሓለፈ ቃልሲ ዘረጋገጾ መኸሰባት ክብደቱ ምፍላጥን ምዕቃቡን፡ ኣብ ግብሪ ምትርጓምን ናይ ነፍሲ ወንከፍ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓላፍነት’ዩ። ብዓቢኡ ድማ ናይ መንግስቲ ይኸውን። እንተኾነ ፋሺሽታዊ ስርዓት ኢሳያስ ተጠሊምና ኣሎና። ነቲ ዝተጠልምናዮ ዲሞክራስያዊ መሰላትን ሕድሪ ስውኣትናን ዳግም ተቃሊስና ዝተማልኤ ሓርነት ክንጎናጸፍ ምስ ነብስና መብጽዓ እንሕድሰላ ክብርቲ ዕለት’ውን`ያ።

እዛ ሎሚ ንመበል 23 ግዜ እነብዕለላ ዘለና ማዓልቲ ናጽነት ሃገርና፡ ኣብ ቅድሚ ኣዝዩ ዘሰክፍ ድሙቅ ዝኮነ ታሪኻዊ ሓቅታት ደው ክንብል ተገድደና ኣሎና፡፡ ንሱ ድማ፤ እቶም ምእንቲ ህዝቦም ንሓንቲ ደቒቅ እውን ትኹን ነታ ክብርቲ ሂወቶም ከይ በቀቁ በጃና ዝሓለፉ ጀጋኑን ስውኣትን ከምኡ`ውን ኣካለ ስንኩላትን እናመጎስና ብኣኽብሮት እናዘከርና ብዓቢኡ ከኣ ንዝተጠልመ መብጽዓ ብምረት ምዝካርን’ዩ። ጀጋኑ ስውኣትና እቲ ምእንትኡ ክቡር ሂወቶም ዝበጀዉሉ ህዝብታት ብሄራዊ መንነቶምን ሰብኣዊ ክብሮም ተኻሒዱ፡ ልክዕ ከምተን ዝበዝሓ ኣብ 1960ታት ካብ ኢሮጳዊ ቀጥታዊ ባዕዳውያን መግዛእቲ ሓራ ዝወጻ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ካብ ህዝቢ ዝተነጸሉ መራሕቲ ኣብ 2014 ሃገርና እዚ ዕጫ ክበጽሓ ምርኣይና ብጣዕሚ ዝሕዝን እዩ። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብስራሓት ህዝባዊ ሰራዊት ክምካሕን ክጃሃርን ሽምማዊ ናጽነትን መዝሚዙ ንቡዙሓት ግሩሃት ዜጋታት ትርጉም ብዘይብሎም ዘብለጭልጩ ጭርሓታትን ሓረጋትን እንዳታለሌ ንረብሕኡ ከምዘውዕላን ንንቅሓት ህዝቢ ከም ዘጎድመላን ንሃልኪ ክምዝጥቀመላን ፍሉጥ እዩ።

ንልዕሊ 50 ዓመታት ብረታዊን ፖሎቲካውን ቃልሲ ተኻይዱ፡ ቅድሚ 23 ዓመታት ነጻ ዝወጸት ሃገር፡ ሎሚ ዜጋታታ መሬት ዓዲ’ቦ ክም ዕንቊ ጸቢባቶም፡ ሰብኣዊ ክብሪ ተረጊጹ፡ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ጊላነት ተቀይሮም ኣለው። ኤረትራውያን መንእሰያት እቶም ናይ መጻኢት ኤርትራ ተስፋ ክኾኑ ዝግባኦም፡ ሎሚ ዓቅሎም ጸቢብዎም ካብ መንጋጋ ስርዓት ፋሺስቲ ከምልጡ ገና መሬትን ዶብን ኤርትራ ከይ ሰገሩ ብኣራዊት ይብልዑ፡ ካብኡ ዝሓለፉ ድማ ኣብ ኢድ ጨካናት ይወድቁ ኣለው። ነዚ ኩሉ ተጻዊሮም ምስ እንተ ሰገሩ ድማ ኣብ ምድረ-በዳታትን ቃላያትን ክቕዘፍን ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ጎረባብቲ ሃገራት ሓታቲ ዘይብሎም ክሳቐዩን ንርኢ ኣሎና።

ኤርትራ ሕብረ-ብሄራዊት ሃገር እያ። ድሕሪ ናጽነት ንብዙሕነትና ማእከል ዝገበረ፡ ኣብ ማዕርነትን ጽኑዕ ህዝባዊ ደሞክራሲያዊ ትካላትን ክትህነጽ ትጽቢት ኩልና ኔይሩ። ህዝብታትና መንነቶም ቋንቕኦም ባህሎም ታሪኾም ተኸቢሩሎም ብማዕርነትን ብምክብባርን ምክእኣልን ብሓባር ጸጋታት ሃገር ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ረብሓታት ክጎስዑ ምተገብኤ። እዚ ግን ተኻሒዱ ወርቕን ካልእ እትዋት ሃገርን ኣብ ጅባ ፋሺስቲ ይኣቱ ኣሎ፡፡ ሎሚ ብሄርትን ብሄረሰባትን ኣብ ትሕቲ ዘስካሕክሕ ብሄራዊ ጭቆናን ኣድልዎን ደርባዊ ወጽዓታትን ይሳቀያ ኣለዋ፡፡ ሰርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንህዝብታትና መንነቶምን ህላወኦምን ክሒዱ፡ ቋንቋኦም፤ ባህልም፤ ክብርታቶም ረጊጹ፡ ኣብ መንጎኦም ነውሕ ግዜ ወሲዱ ዘተሃንጸ ሕውነታዊ ዝምድናን ምክብባርን ንምብታኹ ይጽዕር ኣሎ፡፡ ኣብ ክሊዚ ኢና ናይ ሎሚ ዓመት መበል 23 ናጽነት እነብዕላ ዘለና።
ብርግጽ ሎሚ፡ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ (ዲውብብኤ)እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮም ሃዋህው ንሃገርና ኣካቢቦማ ይሃልው፡ 24 ግንቦት መዓልቲ ነጻነትና ከነብዕል እንከሎና ነዚ ሕማቕ ከውንነት ክንቅይር፡ ተሪር ናይ ቅልሲ ንየት ዓትርና፡ ንቅድሚት ዓማዕዲና እንርእያ ሽግ ሓርነት ከም እንጎናጸፍ ኣይንጠራጠርን። ምስ’ዚ ድማ ኣብ ፍቶታዊ ሓድነት ህዝብታት ዝተመስረተት ዜጋታታ ዝኽብሩላ፡ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ክትምስረት ምኻና ኣሚኑ ዮሃና ንህዝብብታትና እናበለ ዝቃለስ ዘሎ።

ኣብ መወዳእታ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ (ዲውብብኤ)በዛ ክቡርቲ ኣጋጣሚ`ዚኣ ንኩሎም ንለውጢ ዝቃለሱ ሓይልታት፡ ንዘሎ ካልኣዊ ፍልልያት ንጎኒ ገዲፍና፡ ኣብ ክሊ ተመስሪቶም ዘለዉ ግንባራት ዓሲልና፡ ጸረ ቐዳማይ ጸላኢና ፋሺስታዊ ስርዓት ኢሳያስ ደው ክንብል ይጽውዕ።

 
ዮሃና ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ!!!
ዘልኣለማዊ ክብሪ ንጀጋኑ ስውኣትና!!
ዓወት ንደሞክራሲያዊ ቃልሲ ህዝቢታት ኤርትራ!!
ውድቀት ንፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳያስ!!
ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ (ዲውብብኤ)። 24 ግንቦት 2014
EMAIL: D.O.B.N.E, <[email protected]>