ክበልዕዋ ዝደለዩ ኣባጉምባሕሲ፡ ኢሰያስን ኣል-በሽርን፡ ትንፈር’በር ኳኽ እያ፡

ክበልዕዋ ዝደለዩ ኣባጉምባሕሲ፡ ኢሰያስን ኣል-በሽርን፡ ትንፈር’በር ኳኽ እያ፡

ከም ዝፍለጥ ንሰለስተ ማዓልታት ምብጻሕ ኢሰያስ ዘገበሮ ዑደት ናብ ሱዳን ምስ ኣል-በሽር ተራኺቡ ናብ ኤርትራ ከም ዝተመልሰ ይፍለጥ። ኣብቲ ክልታኣዊ ዝምድና ርክቦም ዝተማየጥሉ እንተሎ ብዛዕባ ኤኮኖሚያዊ ሓበራዊ ስምምዕ ዝገበርዎ ኤርትራ ካብ ሱዳን ሓይሊ ኤሌትሪክን ነዳዲ ኦሊያን ክትረክብ እቲ ስምምዕ ተበጺሑ ዘሎ፡ ካብ  ኤርትራ ግን ሱዳን እትረኽቦ ምንጭ ዝተፈልጠ ነገር የልቦን። ከም ዝረኤ ዘሎ ምስጢራዊ ኮይኑ እዩ ዝመስል ዘሎ፡ ምኽንያቱ ብዲፕሎማሲያዊ ብዓለማዊ ማዕከናዊ ዜና ካብዞም ክልተ መራሕቲ ሃገር ዝረኸብዎ ምንጪ ካብ ኤርትራ ሱዳን እትረሕቦ መለሳ ናይቲ ስምምዖም ዝተፈልጠ ነገር ጭብጢ የልቦን ምስጢራዊ ኮይኑ እዩ ዝእንፍት ዘሎ።  ልክዕእዩ ካብ ኤርትራ ደኣሞ እንታያ ሱዳን ሃብታዊ ምንጪ ክትረኽቦ፡ ኤርትራ ነብሳ ባዕላ ዘይካኣለት ያኢ ናብ ሰደድ ስምምዓት ዝኣክል እንካን ሃባን ምስ ሱዳን ክትክእል። እቲ ዝርካቡ ማዕድን ሃብቲ ኤርትራ ካብ ዝብኢስያ ዘይተረኽበ ስጋስ ዓጽሚ ክርከብ። ኣዛብእ ሰብ ባሊቃ ሚኒስትሪታት ኤርትራ ዝባሃሉ ዶ ኣይኮኑን ከም ሕምባሻ ተማቒሎሞ ዘለዉ። ግርም ከኣ ካብቲ ዓጽሚ ምስ ሱዳን ክማቐሉ እንተኾይኖም ከኣ መራሕቲ ሱዳን ዓጽሚ ክግህጹ እዮም ማለት እዩ። እምበር ኤርትራሲ ነብሳ ንኸይትኽእል ዶ ኣይኮነን ኢሰያስ ወግሐ ጸብሐ ን24 ዓመት ድፋጫእ ኣውጺኡ ዝድኽድኻ ዘሎ።  ኢሰያስ ብኢድ ኣዝውር ንትግራይ ምዕባሌ፡ ግን ከኣ ጸረ ትግራይ ኣምሲልካ ንህዝቢ ኤርትራ እንዳዳኸመ ዶ ኣይኮነን ዝምርሽ ዘሎ።

ስምምዓት ናይዞም ክልተ ሸፋቱ መራሕቲ ሃገር ክበልዕዋ ዝደለዩ ኣባጉምባሕሲ፡ ኢሰያስን ኣል-በሽርን፡ ትንፈር’በር ኳኽ እያ፡ ነገሮምያ ኮይኑ ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ሱዳን ኣብ ታርገት እዩ ተታሒዙ ኣቲዩ ዘሎ እቲ ምንጪ ሃብቲ።  ኤርትራ ካብ ሱዳን እትረኽቦ ምንጪ  ሓይሊ ኤሌትሪክን ነዳዲ ኦሊያን ተባሂሉ እኳ እንተተገልጸ፡ ሱዳን ካብ ኤርትራ ከኣ መጭወይቲ ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሚልሊዮናት ዶላር እዩ ክኸውን። ከም ዝፍለጥ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ ይኸይድ ከም ዘሎ ኩላትና ክንከታተሎ ጸኒሕና ኣሎናን። ብስርዓት ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባራት ሎሚ ብዝሓየለ መልክዑ እንዳቀጸለ ብምካዱ ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ዕድል ተጠቂሞም ኤሌትሪክን ኦሊያን ክረኵቡሉ እኳ እንተሃቀኑ፡ ብዓይኒ ኢሰያስ ግን ዋጋ ሂወት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ኤርትራዊ ዜጋ ተጠፍኤ ኣይንታዮምን እዩ ንሱከኣ እዩ እቲ ዕላምኡ። ስለዚ እዮም ከኣ ጉጅለ ህግደፍ መራሒኦም ካቦ ሽፍታ ኢሰያስ ምስ ሸፋቱ ፖሊስ ሱዳን ብምትሕብባር ብዙሓት ሰባት ካብ ማእከል ገዝኦም ይጨውዩ ከም ዘለዉን ዛጊት ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ኤርትራውያን ኣሕዋት ከካብ መደቀሲኦም ተጎቲቶም ይጠፍኡ ከም ዘለዉ እቲ መስርሕ ድሮ ተጀማሚሩ ዝጸንሐን ዝቕጽልን ዘሎን ከምኡውን መንገድታት ምድረ በዳ ሳሀረ ሱዳን ብወታደራት ሱዳን ተኸርዲኑ ኣሎ።

ስለምንታይ እዩ መንግስቲ ሱዳን ምስ ንስርዓት ህግደፍ ዓለም ዝፈንፈሮ ተማሒዙ ንህዝቢ ኤርትራ ነቲ ፈታው ህዝቢ ሱዳን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ስደተኛ ኤርትራዊ ኣረሜናዊ ግፍዒ ተማሻኺሮም ኢሰብኣዊ ዘውርደሉ ዘሎ ምኽንያት ኣብ ሕቶ ምልክት ዘየታሓሳስብ ኣይኮነን። መንግስቲ ሱዳን እንተ ብዕሽነት እንተ ንስርዓት ህግደፍ ፈሪሑ ብዘይ ሓደ ነገር ኣል-በሽር ስቑሉ ኣይኮነን ዝገብሮ ዘሎ በገል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ። ስርዓት ኣል-በሽርን ተኸተልቲ ሚኒስትሪታቱን ከም ዝኣምንዎ ካብ ምስ ሓደ ጹሉል ሰብ ዝኾነ መራሒ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ምብኣስ ሓደገኛዩ ኢሎም ስለ ዝኣመንዎ ከይፈተዉ ይጻጋግዕዎ ኣለዉ። እዚ ከኣ ጊዚኡ ዝሓለፈ ምስዚ ሕጂ እዋን ዘሎ ኩነታት ባህሪያት ኢሰያስ ዘይሳነ ክንሱ ኣብቲ ራዕዲ ናይ ቀደም ቅድሚ 10ዓመት ዝነበረ ኲናት ወረ ኲናት ዝፍጽሞ ዝነበረ ኢሰያስ ካብዚ ስምብራት እዚ ሱዳናውያን ኣይተላቐቑን። መሲልዎም እምበር ከምቀደም ኢመስለክን ዉሑጭ ከይወስደክን ኮይንዎም እዩ ሚኒስትሪታት ሱዳን እንበር፡ ስርዓት ህግደፍሲ ኣብዚ ሎሚ እዋን ኣትኪሉ ዝዋጋእ ሰራዊት ኤርትራ የልቦን። ኮይኑ ተሪፉ ብደምሒት እዩ ክዋጋእ ኵናት ክኸፍት ዝኽእል፡ ንሱ ከኣ ናዓና ንኤርትራውያን ጽቡቕ ዕድል እዩ፡ ምተጓደሉልናኳ። ሱዳናውያን ግን ብያ ኣይትቕረበና ኢሎም ንጉጅለ ህግደፍ ገዲፎም ኣብ ጎኒ እቲ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ተትኾኑ ምሓሾም። ታሪኻዊ ምሕዝነት ናይዚ ክሊቲኡ ኣህዛብ እዚ ናብ ንቡር ክመልሱ ምተገበኦም። 

ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጦ ዘለዎ ሓደ ነገር ኣሎ።  ሕነሕነ ንማዕጾ ከም ዝባሃል፡ ሱዳናውያን መራሕቲ ብፍላይ ኣል-በሽር፡ ኢሰይስ ዝፈጸሞ ገበን ኣብ ልዕሊ ሱዳን ሕነ ንህዝቢ ኤርትራ ሱዳናውያን የውርድሉ ኣለዉ። ከምዚ መግበሪኦም ከኣ ሱዳን ናብ ክልተ ሃገር ክትምቀል ዝገበራ እቲ ዕሉል ዝሖነ ዕዋላ ኢሰያስ ኣፈወርቂ እዩ። ሱዳንን፡ ሳውዝ-ሱዳን ተባሒለን ክልተ ሃገር ብሰንኪ ኢሰያስ ይስመያ ኣለዋ። በዝን ወዲ ኸምዝን ከኣዮም ሱዳናውያን ሕነሕነ ተሰሚዕዎም ዘሕምቆ ኣለኒ በትሪ ኣቐብሉኒ ኮይንዎም፡ ነቲ የዕቑቡኒ ኢሉ ዝመጾም ኤርትርታዊ ስደተኛ ናይ ሰብ ርራሄ ገዲፎም፡ ምስቲ ሰብ ዝውሕጥ ዘሎ ኣረሜናዊ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ክማሓዘዩ መሪጾም። ዘሕዝን እዩ ብኢሰያስ ዝወረዶም ገበን ናዓና ንኤርትራውያን ሱዳናውያን ሃገሮም ኣብ ክልተ ክትምቀል ዝገበሮ ኢሰያስ ብሰንኩ ከየሕዘነና ናዓናውን  ኣይተረፈ። ስለዚ ሱዳውያን ልቦናዊ ርራሄ ገይሮም ምእንቲ እቲ ተወጺዑ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ክኾኑ ድልየትናን ትንቢትናን ናይ ኩልና ኤርትራውያን ብምዃኑ ፈሊጦም ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኤርትራ ደው ክብሉ ንሰላም.ኮም ትምሕጸን።

ንሰላም.ኮም